ጽማቝ ሓሳባት መኃልየ መኃልይ ዘሰሎሞን (Song Of Solomon)

መሃልየ መሃልይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ እተጻሕፈ ግጥሚ እያ ። እቲ ግጥሚ ንመውስቦ ኸም ውጥን ኣምላኽ ገይሩ እዩ ዚገልጽ። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ንዘለኣለም ውፉያት ኰይኖም ኣብ ሓዳር ኪነብሩ ኣለዎም ።

መኃልየ መኃልይ ዘሰሎሞን (Song Of Solomon)

1 መሃልየ መሃልይ ናይ ሰሎሞን።
2 ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፡ ብምስዓም ኣፉ ይስዐመኒ።
3 ቅብእኻ ምኡዝ ሽቱ ኣለዎ፡ ስምካ ዝፈሰሰ ቕብኢ እዩ፡ ስለዚ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።
4 ደድሕሬኻ ኽንጐይስ፡ ስሐበኒ፡ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኙ ኣእተወኒ፡ ብኣኻ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ፡ ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ።
5 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፡ ግናኸ ከም ድንኳውንቲ ቄዳር፡ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን ጽብቕቲ እየ።
6 ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡ ጸላም ስለ ዝዀንኩ ኣይትጠምታኒ። ደቂ እኖይ ኰረዩለይ፡ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሩኒ፡ ኣታኽልቲ ወይንስ ናተይ እኳ ኣይሐሎኹን።
7 ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፡ ንመጓሴኻ ኣበይ ተውዕለን? ቀትርስ ኣበይ ተዕርፈን ኣሎኻ? እስኪ ንገረኒ፡ ስለምንታይከ ኣብ መጓሰ መሓዙትካ ከም ኰብላሊት ዝኸውን?
8 ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እንተ ዘይፈለጥክስ፡ ኣሰኣሰር መጓሰ ውፈሪ እሞ፡ መሓስእኪ ኣብ ጥቓ ድንኳውንቲ ጓሶት ኣብልዒ።
9 ኣቲ ፍትውተይ፡ በታ ሰረገላ ፈርኦን እትስሕብ ባዝራ መሰልኩኺ፡
10 መልክዕ ጒንጭኺ ብስልማት፡ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ጽቡቕ እዩ።
11 ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።
12 ንጉስ ኣብ መኣዲ ኸሎ፡ ናርዶሰይ መኣዛኡ ሰደደ።
13 ፈታውየይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ዚዐርፍ፡ ንኣይ ቊጻር ከርበ እዩ።
14 ፈታውየይ ንኣይሲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔን – ጌዲ ዚበቚላ ዘለላ ሪሓን እዩ።
15 እኔኹ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኹ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣዒንትኺ ርግብታት እየን።
16 እኔኻ፡ ኣታ ፈታውየይ፡ ጽቡቕ ኢኻ፡ ተፈታዊ ድማ ኢኻ፡ ዓራትናውን ልምሉም እዩ።
17 ኣግማል ቤትና ኦም ሊባኖስ፡ ግድጊዳና ኸኣ ጽሕዲ እዩ።

1 ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምበባ ሹወን እየ።
2 ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዂ ዝበቘለት ዕምበባ ሹወን እያ።
3 ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፡ ፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ።
4 ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፡ ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ።
5 ብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጐጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒ፡ ብምልዖ ደግፉኒ።
6 ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የማነይቱ ኸኣ ትሐቚፈኒ።
7 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን ኣሎኹ።
8 ድምጺ ፈታውየይ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡ ኣብ ልዕሊ ዂርባታት እናተናጠረ ይመጽእ ኣሎ።
9 ፈታውየይ ንሜዳቚን ነርሕዶ እራብን ይመስል። እንሆ፡ ኣብ ክንየው መካበብያና ደው ኢሉ ብመስኰት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት ኣሎ።
10 ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሲኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
11 እንሆ፡ ክረምቲ ሐሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወዲኡ።
12 ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ።
13 በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ።
14 ኣቲ ኣብ ቋቚራ ኸውሒ፡ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ ርግበይ፡ ድምጽኺ ጥዑም፡ ገጽኪውን ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ገጽኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ኣስምዕኒ።
15 ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ እሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ ነተን ኰራኲር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሐዙልና።
16 ፍትወይ ናተይ እዩ፡ ኣነውን ናቱ እየ፡ ንሱ ንመጓሴኡ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹወን የብልዔን።
17 ኣታ ፍትወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ከምተን ኣብ ኣኽራን ቤተር ዘለዋ ሜዳቚ ወይስ ኣርሕዶ እራብ ኴንካ፡ ተመለስ።

1 ብለይቲ ኣብ ዓራተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡ ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።
2 ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸኣ ክደልዮ እየ። ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።
3 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ? ኢለ ኸኣ ሐተትክዎም።
4 ቅሩብ ምስ ሐለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፡ ሐዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሐደግክዎን።
5 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከየተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን ኣሎኹ።
6 እዛ፡ ዓንዲ ትኪ መሲላ፡ ከርበን ዕጣንን ናይ ነጋዶ ዂሉ ዓይነት ቀመማትን እትጨኑ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ?
7 እንሆ፡ ዓራት ሰሎሞን፡ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጅግና ኸቢቦምዋ።
8 ኲላቶም ሰይፊ ዚሕዙ፡ ምሁራት ውግእ እዮም። ስለ ፍርሃት ለይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ዕጡቕ እዩ።
9 ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኦም ሊባኖስ ንርእሱ ዓራት መሰከሚ ገበረ።
10 ኣዕኑዱ ብብሩር፡ መጻግዒኡ ብወርቂ፡ መቐመጢኡ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ። ውሽጡ ኸኣ ኣዋልድ የሩሳሌም ብፍቕሩ ዝጠለፋኡ እዩ።
11 ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ምስቲ ኣዲኡ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐስ ልቡን ዝኸለለቶ ኣኽሊል ክትርእያኦስ ውጻ።

1 እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ርግብታት እየን። ጸጒሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
2 ኣስናንኪ ኸም እተቘርጻ፡ ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኲለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።
3 ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡ መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።
4 ክሳድኪ ኸም ንመቐመጥ ኣጽዋር እተሰርሔ፡ ሽሕ ዋልታ፡ ኲላተን ዋላቱ ጀጋኑ፡ ተሰቒልዋ ዘሎ ግምቢ ዳዊት እዩ።
5 ክልቲኤን ኣጥባትኪ ኸም ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን ዚጓሰያ ማንታ መሓስእ ሜዳቚ እየን።
6 መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኲርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ።
7 ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።
8 ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ኣቲ መርዓተይ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ካብ ርእሲ ኣማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሄርሞንን፡ ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ።
9 ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ልበይ ዘረፍክኒ፡ ብሓንቲ ቘላሕታኽን ብሓንቲ ድሪ ኽሳድክን ልበይ ዘረፍክኒ።
10 ፍቕርኺ ኽንደይ ይጽብቕ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ፡ መኣዛ ቕብኣትኺውን ካብ ኲሉ ቐመማት ይሐይሽ።
11 መርዓተየ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ ኣሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ።
12 ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ እተሸጐረ ገነት፡ ዕጽዊ ዔላ፡ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።
13 ኣባኺ ዝበቘለት ገነት ሮማንን ክቡር ፍሬታትን ዕምባባ ሪሓንን ናርዶስን፡
14 ናርዶስ ሳፍራንን፡ ምኡዝ ሻምብቆን ቅርፍትን፡ ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን፡ ከርበን ዓልወን ኲሉ ብሉጽ ቀመማትን ዘለዎ እያ።
15 ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡ ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ።
16 ንፋስ ሰሜን፡ ተንስእ፡ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ፡ ምኡዝ ጨናታቱ ምእንቲ ኼፍስስ፡ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈሱ። ፍትወይ ናብ ገነት ይምጻእ፡ ክቡር ፍሬታቱ ይብላዕ።

 

1 ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤ፡ ከርበይን ምኡዝ ቀመማተይን ቀንጢበ፡ መዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔ፡ ወይነይን ጸባይን ሰትየ። ኣቱም ኣዕሩኸይ፡ ብልዑ፡ ስተዩ፡ ፍትዋተየ፡ ኣብዚሕኩም ስተዩ።
2 ኣነ ደቀስኩ፡ ልበይ ግና ነቕሔ፡ ድምጺ ፍትወይ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ ፍትውተይ፡ ርእሰይ ህቦ፡ ጐተናይ ከኣ ነጥቢ ለይቲ መሊኡ እዩ እሞ፡ እቲ ርግበይ፡ ፍጽምተይ፡ ክፈትለይ፡ እናበለ፡ ማዕጾ ኪዂሕኲሕ ሰማዕኩ።
3 ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኽደኖ? ኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ?
4 ፍትወይ ኢዱ ብነዃል ሰደደ፡ ውሽጠይ ብእኡ ተደፋነቐ።
5 ንፍትወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ፡ ኣእዳወይ ከርበ፡ ኣጻብዔይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መትሓዝ መሃርሃሪ ፈሳሲ ኸርበ ኣንጠብጠበ።
6 ንፍትወይ ከፈትኩሉ፡ ፍትወይ ግና ከይዱ ረሐቐ፡ ኪዛረብ ከሎ፡ ነፍሰይ ጠለመትኒ፡ ደሌኽዎ ኣይረኸብክዎን ከኣ፡ ጸዋዕክዎ ኣይመለሰለይን ድማ።
7 ሓለውቲ ኣብ ከተማ ኺዞሩ ኸለው ረኸቡኒ፡ ውቕዑኒ፡ ኣቚሰሉኒ፡ ሓለውቲ መካበብያ መጐልበብየይ ገፈፉኒ።
8 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍትወይ እንተ ረኸብክናኦ፡ ብፍቕሪ ኸም ዝሐመምኩ ክትነግራኦ ኤምሕለክን ኣሎኹ።
9 ኣቲ ሓለፋ ዂለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከምይ ኢሉ እዩ? ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊዶ ይበልጽ እዩ?
10 ፍትወይሲ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ።
11 ርእሱ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ እዩ፡ ጐተናኡ ዀርዳድ፡ ከም ኳዂ ዝምጽላሙ እዩ።
12 ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ ርግብታት፡ ጸባ ተሐጺበን፡ ኣብ ምልኣት ተነቢረን እየን።
13 ጒንጭታቱ ኸም ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም፡ ከም ምኡዝ ኣትክልቲ እዩ፡ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕንባባ ሹወን እየን።
14 ኣእዳው ክሪሶሊት እተሰንቀሮ ቐላብቲ ወርቂ እየን፡ ደረቱ ብሰፊሮስ እተሰለመ፡ ብልሓተኛ ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።
15 ኣእጋሩ ብደገፍ ጽሩይ ወርቂ እተሰረታ ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡ ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ እተመርጸ እዩ።
16 ኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኲለንትናኡ ፍትዊ እዩ። ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ።

 

1 ኣቲ ሓለፋ ዂለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡ ፈታዊኺ ናበይ ከይዱ እዩ? ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ?
2 ፍትወይሲ ናብ ገነቱ፡ ኪጓስን ዕምባባታት ሹሻን ኪእክብን፡ ናብ ገነቱ፡ ናብ ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም ወሪዱ ኣሎ።
3 ኣነ ናብ ፍትወይ እየ፡ ፍትወይ ከኣ ናተይ እዩ፡ ንሱ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ይጓሲ ኣሎ።
4 ኣቲ ፍትውተየ፡ ከም ቲርጻ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ከም የሩሳሌም ባህ እተብሊ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ ተፍርሂ ኢኺ።
5 ኣዒንትኺ ኣፍሪሄናኒ እየን እሞ፡ ንንየው ምለስየን፡ ጸጒሪ ርእሰኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
6 ኣስናንኪ ኸም ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኲለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።
7 መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።
8 ንግስታት ስሳ፡ ዕቁባት ዜብለን እየን።
9 ግናኸ ርግበይ፡ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ፡ ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ፡ ኣዋልድ ርእየን ብጽእቲ በልኣ፡ ንግስታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ።
10 እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል፡ ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ?
11 ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፡ ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡ ሮማንውን እንተ ዐምቢቡ ኽርኢ፡ ናብ ኣታኽልቲ ኻዕካዕ ወረድኩ።
12 ከይፈለጥኩስ፡ ነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቐመጠትኒ።

 

1 ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሱላሚት፡ ክርእየክስ ተመለሲ፡ እስኪ ተመለሲ። ኣብታ ሱላሚትከ እንታይ ክትርእዩ ኢኹም? ንሳዶ ኸም ናይ መሃናይም ደበላ ትስዕስዕ ኣላ እያ?
2 ኣቲ ጓል መስፍን ፡ ኣእጋርኪ፡ ጫማ ምስ ገበራ፡ ክንደይ ይጽብቓ፡ ቅርጺ ሕቜኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ እተሰርሔ ስልማት እዩ።
3 ሕምብርትኺ እተሖሰ ወይኒ ዘይጐድሎ ኸቢብ ጽዋእ እዩ። ከርስኺ ብዕምባባ እተኸበ ምህርቲ ስርናይ እዩ።
4 ክልቲኣተን ኣጥባትኪ ኸም ምንታ መሓስእ ሜዳቚ እየን።
5 ክሳድኪ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ፡ ኣዕንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባት ራቢም ዘሎ ሓጽብታት ሄስቦን እየን። ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገጹ ዚርኢ ግምቢ ሊባኖስ እዩ።
6 ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፡ ንጉስ ብቚኖኺ ተኣሰረ።
7 ኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣብ ማእከል ደስታስ ክንደይ ትፍተዊ።
8 እዚ ቚመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስል።
9 ኣብ ስየ ኽድይብ፡ ጨናፍራ ኸኣ ክሕዝ እየ፡ በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡ ጨና እስትንፋስኪ ኸኣ ከም ትርንጒ ይኹነለይ፡
10 ኣፍኪ ኸም ናብ ፍትወይ ወሪዱስ፡ ናብተን ዚድቅሳ ኸናፍር ዜንሸትት ጥዑም ወይኒ ይኹነለይ።
11 ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ሃረርታኡ ኸኣ ናባይ እዩ።
12 ኣታ ፍትወየ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ ኣብ ዓድታት ንሕደር።
13 ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡ ጐጒማ እንተ ነቒዑ፡ ሮማን እንተ ዐምቢቡ ኽንርእስ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፡ ኣብኡ ፍቕረይ ክህበካ እየ።
14 ናይ ፍቕሪ ትርንጒ መኣዛኡ ይህብ። ኣታ ፍትወይ፡ ንኣኻ ኢለ ዝዐቘርክዎ፡ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን ክብር ፍረ ኣብ ደጌታትና ኣሎ።

1 ኣየ፡ ወላዲተይ ዝጠቦኻ ኸም ሓወይ እንተ ትዀነለይ፡ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝረኽበካ፡ ምስዐምኩኻ ነይረ፡ ሓደ እኳ ኣይምነዐቐንን።
2 መሪሔ ናብ ቤት ኣደይ መእቶኹኻ፡ ንስኻ ምመሀርካኒ፡ ኣነውን ካብ እተቓመመ ወይኒ፡ ካብ ሮማነይ እተጸምቈ መስቴኹኻ።
3 ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የማነይቱ ኸኣ ትሐቚፈኒ።
4 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብርኣን ኢለ ኤምሕለክን ኣሎኹ።
5 እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ? ኣብ ትሕቲ ኦም ትርንጒ ኣንቓሕኩኻ፡ ኣብኣ ኣዴኻ ወላዲትካ፡ ኣብኡ ወላዲትካ ወለደትካ።
6 ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንአታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።
7 ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዂሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም።
8 ጡብ ዘየውጽኤት ንእሽቶ ሓብቲ ኣላትና፡ እትድለየላ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡ ንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና?
9 ቀጽሪ እንተ ዀነት፡ ኣብ ልዕሊኦ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላ፡ ደገ እንተ ዀነት ኸኣ፡ ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና።
10 ኣነ ቐጽሪ እየ፡ ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን፡ ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኰንኩ።
11 ሰሎሞን ኣብ በዓል – ኣሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። ነዚ ኣታኽልቲ ወይኒ እዚ ኸኣ ንሓለውቲ ኣብ ክንዲ ፍሬኡ ነፍሲ ወከፎም ሽሕ ብሩር ኬምጽኡስ ሀቦም።
12 እታ ናተይ ዝዀነት ኣታኽልቲ ወይነይ ኣብ ቅድመይ እያ፡ ዎ ሰሎምን፡ ሽሕ ንኣኻ እዩ፡ ፍሬኣ ንዚሕልው ድማ ክልተ ሚእቲ ይኹን።
13 ኣቲ ኣብ ኣታኽልትታት እትነብሪ፡ እቶም ብጾት ንድምጽኺ ጽን ይብሉ ኣለው፡ ንኣይ ኰታ ኣስምዕኒ።
14 ኣታ ፍትወየ፡ ቀልጥፍ፡ ኣብ ምኡዝ ኣኽራን ከኣ ከም ሜዳቚ ወይስ ከም ኣርሕዶ እራብ ኩን።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...