ጽማቝ ሓሳባት መዝሙረ ዳዊት (Psalms)

መጽሓፍ መዝሙር ንሙዚቃ እተዳለወ ሃይማኖታዊ ግጥሚ ወይ መዝሙር እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ መዝሙራት ጉባኤ እትጥቀመሉ መዝሙራት ኪኸውን ከሎ እቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚመጹ ነጋድያን ዚዝምሩሉ “መዝሙራት ዓቐበት” እውን ኣሎ። ገሊኡ ብናይ ብሕቲ ጸሎት ኢዩ ዝዝመር ገሊኡ ኸኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤል እተገብረ ታሪኻዊ ጽምብል ንምዝካር ተባሂሉ ግጥሚ ዝዝክር መሳርሒታት ኢዩ።

መዝሙረ ዳዊት (Psalms)

1-2 ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደአ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ።
3 ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
4 እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን።
5-6 ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

1 ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሓስቡ፧
2-3 ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።
4 እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም።
5 ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣ ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣
6 ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል።
7 እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር ኣሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
8 ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ።
9 ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።
10 እምበአርሲ ኣቱም ነገስታት፣ ለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ ተአረሙ።
11 ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ።
12 ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም።
2 ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፣ ይብሉ ኣለዉ።
3 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።
4 ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ ኣሎኹ። ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ።
5 ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ።
6 ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ።
7 ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድሕነኒ።
8 ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን።

1 ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ።
2 ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧
3 እግዚኣብሄር ግና ነቲ ጻድቑ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ።
4 ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን።
5 መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ።
6 ብዙሓት፣ ንሰናይ መን እዩ ዜርእየና፣ ይብሉ ኣለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና።
7 ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን ኣሎኹ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ።
2 ናባኻ እጽሊ ኣሎኹ እሞ፣ ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን፣ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ።
3 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ ኣሎኹ።
4 ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።
5 ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፣ ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም።
6 ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም። እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ።
7 አነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣ ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ።
9 ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣት፣ ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ።
10 ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም።
11 ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለአለም እልል ይብሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ።
12 ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ።
2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ።
3 ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧
4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5 ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧
6 ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ ኣሎኹ።
7 ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ ኣላ።
8 እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ።
9 እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።
10 ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።

1-2 ሰአን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ፣ ካብ ኵላቶም ሰጐጕተይ ኣድሕነንን ኣናግፈንን።
3 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ከምኡ ገይረ እንተ ዀይነስ፣ ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እንተ ኣልዩ፣
4 ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፣ ኣነስ እባ ነቲ ብዘይ ምኽንያት ጸላኢ ዝዀነኒ ደአ ኣናገፍክዎ፣
5 እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፣ ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፣ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ።
6 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ተንስእ፣ ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዐል፣ ንስኻ ፍርዲ ኣዘዝካ፣ ንረዲኤተይ ንቓሕ።
7 ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ።
8 እግዚኣብሄር፣ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ።
9 ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣ ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮ፣ ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ።
10 ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም።
11 ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፣ ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ።
12 ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፣ ሴፉ ስሒሉ፣ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ።
13 መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉ፣ ንፍላጻታቱ ኣርሰኖ።
14 እንሆ፣ ንእከይ የቕለሉ፣ ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።
15 ጒድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፣ ናብታ ዝዀዐታ ጕድጓድውን ወደቐ።
16 ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኺምለስ፣ ዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ።
17 ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣ ነቲ ልዑል፣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ክዝምረሉ እየ።

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።
2 ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።
3 ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣
4 እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧
5 ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ።
6 ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣
7 ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣ ንእንስሳታት በረኻውን
8 ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።
9 ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።

1 ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ኵሉ ተአምራትካ ኽነግር እየ።
2 ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፣ ዎ ልዑል፣ ንስምካ ኽዝምር እየ።
3 ጸላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመልሱ፣ ወደቑ፣ ካብ ቅድሚ ገጽካውን ጠፍኡ።
4 መሰለይን ነገረይን ወዳእካ እሞ፣ ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ።
5 ነህዛብ ገናሕካዮም፣ ንረሲኣን ኣጥፋእካዮም፣ ስሞም ከኣ ንዘለአለም ደምሰስካዮ።
6 ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶም፣ ከተማታትሲ፣ መዘከርታኤን እኳ ኽሳዕ ዚጠፍእ፣ ዖንየን።
7 እግዚኣብሄር ግና ንዘለአለም ነጊሱ ይነብር፣ ዝፋኑ ንፍርዲ ኣዳለዎ።
8 ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኺፈርዳ፣ ንህዝብታትውን ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ።
9 እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።
10 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።
11-12 እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።
13-14 ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህ፣ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣ ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፣ ደንግጸለይ።
15 ኣህዛብ ናብታ ዝዀዐትዋ ጒድጓድ ጸደፉ፣ በቲ ዝሐብእዎ መፈንጠራ ኸኣ እግሮም ተፈንጠረ።
16 እግዚኣብሄር ርእሱ ኣፍለጠ፣ ጸድቂ ገበረ፣ ረሲእ ብግብሪ ኢዱ ተሐንኰለ። ሂጋዩን። ሴላ።
17 ረሲኣን፣ ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ፣ ናብ ሲኦል እዮም ዚምለሱ።
18 ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣ ተስፋ መስኪን ንዘለአለም ኣይኪጠፍእን እዩ።
19 ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ሰብሲ ኣይበርትዕ፣ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።
20 ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርሃት ኣውድቐሎም፣ ኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደአ ይፍለጡ። ሴላ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደአ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧
2-3 ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ ኣሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ ኣሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ።
4 ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል ኣሎ።
5 መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳ፣ ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም።
6 ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል ኣሎ።
7 ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን ኣሎ።
8 ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሹጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣ ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ።
9 ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕብኢኡ ይጻናቶ፣ ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ።
10 ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣ መሳኪን ከኣ ኣብ መንጎ ኣጽፋሩ ይወድቁ።
11 ንሱ ብልቡ፣ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣ ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል።
12 ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኢድካ ኣልዕል፣ ንጥቑዓት ኣይትረስዓዮም።
13 ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፧
14 ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ።
15 ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፣ ንእኩይ፣ ረሲእንቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፍኣዮ።
16 እግዚኣብሄር ንዘለአለመ ኣለም ንጉስ እዩ። ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም።
17-18 ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።

 

1 ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቊበ ኣሎኹ፣ ከመይ ደአ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፧
2 ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።
3 መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደአ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፧
4 እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣ ኣዒንቱ ይጥምታ፣ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም ኣለዋ።
5 እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
6-7 እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን።
2 ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለዉ።
3-4 እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፧ ዚብሉን ኪምንቊሶም እዩ።
5 ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
6 ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።
7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ክትሕልዎም፣ ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለአለም ክትዕቅቦም ኢኻ።
8 ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧
2 ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧
3-4 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን።
5 ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ ኣሎ።
6 እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።

1 ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን።
2 ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3 ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።
4 እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚውሕጥዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፣ ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፧
5 እግዚኣብሄር ኣብ ወለዶ ጻድቃን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ዓብዪ ፍርሃት ሒዝዎም።
6 ንምኽሪ ጥቑዕ ተቋናጽብዎ አሎኹም፣ ግናኸ እግዚኣብሄር መዕቈቢኡ እዩ።
7 ኣየ፣ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኤል እንተ ዚመጽእ። እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፣ ሽዑ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤልውን ባህ ኪብል እዩ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧
2 እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣
3 ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣
4 እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣
5 ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።

1 ዎ ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ሓልወኒ።
2 ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፣ ኢለዮ።
3 ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ።
4 ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውእን፣ ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ።
5እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ።
6 ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ።
7 ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርኾ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን።
8 ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ።
9-10 ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።
11 ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና ኣሎ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጽድቂ ስምዓዮ፣ ናብ ጥርዓነይ ኣቕልብ፣ ናብቲ ኻብ ከንፈር ጥበራ ዘይመጸ ጸሎተይ እዝንኻ ምለሰ።
2 ፍትሔይ ካብ ገጽካ ይውጻእ፣ ኣዒንትኻ ንቕንዕና ይርእያኣ።
3 ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።
4 ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፣ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዐቂበ።
5 ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕ፣ ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን።
6 ዎ ኣምላኽ፣ ትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ እጽውዓካ፣ እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ንዘረባይ ጽን በሎ።
7 ነቶም ካብ ተጻረርቶም ኣባኻ ዜዕቍቡ፣ ንስኻ ብየማናይ ኢድካ እተናግፎም፣ እቲ ዜደንቕ ሳህልኻ ኣርእዮም።
8-9 ካብቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ረሲኣን፣ ካብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይሲ፣ ከም መርዓት ዓይኒ ጌርካ ዐቅበኒ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።
10 ንልቦም ብስብሒ ይዐጽውዎ፣ ብአፎም ትዕቢት ይዛረቡ ኣለዉ።
11 ኣስአሰርና ስዒቦም ሕጂ ይኸቡና፣ ናብ ምድሪ ኼውድቑና ኣዒንቶም የፍጥጡ ኣለዉ።
12 ነቲ ኺሰላልዕ ዚምነ ኣንበሳ፣ ነቲ ኣብ ሕቡእ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል።
13 ዎ እግዚኣብሄር፣ ተለዐል፣ ግጠመሉ፣ ኣውድቆ። ንነፍሰይ ካብ ረሲእ ብሴፍካ ኣናግፋ።
14 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ እዛ ዓለም እዚኣ፣ ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፣ ከብዶም ብመዝገብካ እትመልእ፣ ውሉዶም ዝበዝሑሎም፣ ተረፎም ከኣ ንሕጻውንቶም ዚሐድጉ ሰባት፣ ብኢድካ ኣድሕነኒ።
15 ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ኽርእዮ፣ ምስ ነቓሕኩ ብትርኢትካ ኽጸግብ እየ።

1 ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ አፍቅረካ እየ።
2 እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።
3 ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ፣ ካብ ጸላእተይ ደሐንኩ።
4 መአሰር ሞት ከቢቡኒ፣ ወሓይዝ ብልያል ከኣ ሸቢሩኒ፣
5 መአሰር ሲኦል ከቢቡኒ፣ መፈንጠራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ።
6 ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፣ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፣ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፣ ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ።
7 ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፣ መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፣ ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፣ ኣንቀጥቀጡ።
8 ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸ፣ ጓህሪ ኻብኡ መጸ።
9 ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፣ ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ።
10 ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፣ ቀልጢፉ ብኣኽናፍ ንፋስ ሸበበ።
11 ንሱ ጸልማት ንመሰወሪኡ፣ ጸልማት ማያትን ብርቱዕ ደበናታትን ከኣ ንድንኳኑ ኣብ ዙርያኡ ገበሮ።
12 ብነጸብራቕ ገጹ ደበናታቱን በረድን ጓህሪ ሓውን ሐለፈ።
13 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ። እቲ ልዑል ብበረድን ብጓህሪ ሓውን ድምጹ ኣስምዔ።
14 ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣበሎም፣ መባርቅ ኣብዚሑ ኣህደሞም።
15 ብተግሳጽካ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ መዓሙቚ ማያት ተራእዩ እሞ፣ መሰረታት ዓለም ተቐልዔ።
16 ካብ ላዕሊ ልኢኹ ሐዘኒ፣ ስሒቡ ኻብ ብርቱዕ ማያት ኣውጽኣኒ።
17 እቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዚጸልኡንን፣ ሐይሎሙኒ ነበሩ እሞ፣ ካብኦም ኣናገፈኒ።
18 ብመዓልቲ መከራይ ሐደጋ ወደቑኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ደጋፍየይ ኰነ።
19 ንሱ ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውጽአኒ፣ ብሂጉኒ እዩ እሞ፣ ኣናገፈኒ።
20-22 ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ።
23 ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ተሐልየ።
24 ስለዚ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ።
25-27 ንስኻ ነቲ ዚስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ።
28 ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ።
29 ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ፣ ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ።
30 መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ።
31 ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ፧ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፧
32 እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ፣
33 ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቚመኒ፣
34 ንሱ ነእዳወይ ውግእ፣ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ።
35 ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፣ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ።
36 ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።
37 ንጸላእተይ ሰጒጐዮምን ኣርኪበዮምን፣ ከየጥፋእክዎም ከኣ ኣይተመለስኩን።
38 ወቒዔዮምሲ ኺትንስኡ ኣይተኻእሎምን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ወዲቖም።
39 ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፣ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም።
40 ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ፣ ንዚጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም።
41 ኣእውዮምሲ ዜድሕኖም ኣይነበረን፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፣ ኣይመለሰሎምን።
42 ከምቲ ንንፋስ ዚውፈ ሓመድ ደቚሰዮም፣ ከምቲ ጭቃ መገዲ ዀስቲረዮም።
43 ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒ፣ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒ፣ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ፣
44 ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፣ ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ።
45 ደቂ መጻእተኛታት ጸምልዮም፣ እናንቀጥቀጡ ኻብ ከውሎም ወጺኦም።
46 እግዚኣብሄር ህያው እዩ፣ ከውሔይ ብሩኽ ይኹን፣ ኣምላኽ ምድሓነይ ልዕል ይበል።
47 እቲ ሕነ ዚፈድየለይ፣ ነህዛብውን ዜግዝአለይ፣
48 ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ እዩ። እወ፣ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትበልሃኒ ንስኻ ኢኻ።
49 ስለዚ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ንስምካውን ክዝምረሉ እየ።
50 ዓብዪ ድሕንነት ንንጉስ ይገብረሉ፣ ንቕቡኡ፣ ንዳዊት፣ ንዘርኡ ኸኣ ንዘለኣለም ምሕረት ይገብረሎም።

 

1 ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።
2 ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፣ ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ።
ዘረባ የልቦን፡ ምዝርራብ የልቦን፡ ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ።
4 ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፣ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።
5 ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ ትወጽእ፣ ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ ኣላ።
6 ምውጻኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፣ ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፣ ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን።
7ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ።
8 ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን።
9 ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለአለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ።
10 ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ።
11 ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣ ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ ኣሎ።
12 ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ።
13 ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሐልዎ፣ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ፣ ሽዑ ምሉእ ክኸውን፣ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ።
14 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።

1 እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፣ ስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ።
2 ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።
3 ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ።
4 ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ።
5 ብምንጋፍካ እልል ንብል፣ ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንዂሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ።
6 ንቕቡእ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቲ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ።
7 ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።
8 ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም።
9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንንጉስ ኣድሕኖ፣ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ፣ ብምድሓንካኸ ክንደይ ኣዝዩ ዘይፍሳህ።
2 ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፣ ልማኖ ኸናፍሩውን ኣይከላእካዮን።
3 ምስ በረኸት ሰናይ ተቓባቢልካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ርእሱ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፋእካሉ።
4 ህይወት ለመነካ፣ ምንዋሕ ዕድመ ንሓዋሩ ንዘለአለም ሀብካዮ።
5 ብሳላ ምድሓንካ ኽብሩ ዓብዪ እዩ፣ ድንቅን ግርማን ድማ ወሰኽካዮ።
6 ንዘለአለም ንበረኸት ጌርካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብደስታ ኣሐጐስካዮ።
7 እቲ ንጉስ ብእግዚኣብሄር ይእመን እዩ እሞ፣ ብምሕረት እቲ ልዑል ከቶ ኣይኪዘናባዕን እዩ።
8 ንጸላእትኻ ዘበሉ ኢድካ ኽትረኽቦም እያ፣ የማነይትኻ ነቶም ዚጸልኡኻ ኽትረኽቦም እያ።
9 ምስ እትበጽሖምሲ፣ ከም ርሱን እቶን ክትገብሮም ኢኻ። እግዚኣብሄር ብቚጥዓኡ ኺውሕጦም፣ ሓዊ ድማ ኪበልዖም እዩ።
10 ንፍሬኦም ካብ ምድሪ፣ ንዘርኦምውን ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ከተጥፍኦ ኢኻ።
11 ክፍኣት ሐሊኖምልካ እዮም እሞ፣ ዘየስልጥዎ እከይ መኸሩ።
12 ዝባኖም ከተምልሶም ኢኻ እሞ፣ ቀስትኻ ናብ ግምባሮም ኣቢልካ ኸተዳሉ ኢኻ።
13 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓይልኻ ልዕል በል፣ ንስልጣንካ ኽንዝምርን ክንውድስን ኢና።

1 ኣምላኸይ፣ ኣምላኸይ፣ ስለምንታይ ሐደግካኒ፧ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣውያተይን ርሑቕ ኢኻ።
2 ዎ ኣምላኸይ፣ ብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስን፣ ብለይቲውን ትም ኣይብልን።
3 ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር፣ ንስኻ ቅዱስ ኢኻ።
4 ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም፣ ተወኪሎም፣ ንስኻውን ኣናገፍካዮም።
5 ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሐኑ፣ ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሐፈሩን።
6 ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽ ሰብን፣ ብህዝቢ እተናዕቀን እየ እምበር፣ ሰብሲ ኣይኰንኩን።
7-8 ፣ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎ፣ ብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ ኣለዉ።
9 ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ።
10 ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
11 ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎ፣ ዚሕግዘኒውን የልቦን እሞ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ።
12 ብዙሓት ኣረውሕ ከቢቦምኒ፣ ብርቱዓት ኣረውሕ ባሳን ኣማእኪሎምኒ።
13 ከምቲ ዚዝርፍን ዚጓዝምን ኣንበሳስ ጐረሮኦም ይኸፍቱለይ ኣለዉ።
14 ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፣ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩ፣ ልበይ ከም ስምዒ ዀነ፣ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸ።
15 ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹ፣ ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፣ ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒ።
16 ኣኽላባት ከቢቦምኒ፣ ኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒ፣ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣
17 ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን ኣለዉ።
18 ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ።
19 ጐይታየ፣ ንስኻ ግና ካባይ ኣይትርሓቕ፣ ንስኻ ሓይለይ ኢኻ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
20 ንነፍሰይ ካብ ሴፍ፣ ነታ ቐንደይ ከኣ ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ።
21 ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፣ ካብ ቀርኒ ጐባይ ሰማዕካኒ።
22 ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፣ ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ።
23 ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ኣመስግንዎ። ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ዘበልኩም፣ ወድስዎ፣ ዘርኢ እስራኤል ኵሉኹምውን፣ ፍርህዎ።
24 ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖን፣ ኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስ፣ ሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን።
25 እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ። ኣብ ቅድሚ ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
26 ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለአለም ብህይወት ኪነብር እዩ።
27 ወሰን ምድሪ ዅሎም ንእግዚኣብሄር ኪዝክርዎን ኪምለስዎን፣ ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ኪሰግዱ እዮም።
28 መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ።
29 ናይ ምድሪ ስቡሓት ዘበሉ ኺበልዑን ኪሰግዱን፣ እቶም ናብ መሬት ዚወርዱ ዅላቶም እሞ ብህይወት ኪነብሩ ዘይኽእሉ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ እዮም።
30 ዘርኢ ኺግዝኣሉ፣ ንዚመጽእ ወለዶ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኬዘንትውሉ እዮም።
31 ንሱ ኸም ዝገበሮ፣ ነቲ ዚውለድ ህዝቢ መጺኦም ጽድቁ ኺነግርዎ እዮም።

1 እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን።
2 ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
3 ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።
4 በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።
5 ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።
6 ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

1-2 እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
3 ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧
4 እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፣ ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፣ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።
5 ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፣ ጽድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።
6 እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ።
7 ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
8 እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ።
9 ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
10 እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፧ ጐይታ ሰራዊት፣ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ አልዕል ኣሎኹ።
2 ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒ፣ ጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም።
3 ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም።
4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ።
5 ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ ኣሎኹ።
6 ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን።
7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።
8 እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ።
9 ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።
10 ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልውስ፣ መገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን።
11 ዎ እግዚኣብሄር፣ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ።
12 ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ።
13 ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፣ ዘርኡውን ንምድሪ ኺወርሳ እዩ።
14 ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ።
15 ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን።
16 ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቊሊሕ በል፣ ደንግጸለይውን።
17 ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ።
18 ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ።
19 ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮም፣ ግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ ኣለዉ።
20 ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ።
21 ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ።
22 ዎ ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ።

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብንጽህና ተመላሊሰ፣ ከይተሐንኰሉ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ።
2 ዎ እግዚኣብሄር፣ መርምረንን ተዐዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ።
3 ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ ኣሎኹ።
4 ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን።
5 ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ።
6-7 ፣ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኸስምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ ኣሎኹ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቤት ማሕደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ አፍቅሮ እየ።
9-10 ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ።
11 ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ፣ ኣድሕነኒ ምሓረኒውን።
12 እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ ኣላ፣ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።

 

1 እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደአ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧
2 ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ።
3 ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፣ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒ፣ እምነት ኣሎኒ።
4-5 ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ ኣሎኹ።
6 ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይ ልዕል ኪብል እዩ፣ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ብእልልታ ከቕርብ፣ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ።
7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፣ ምሐረኒ እሞ ምለሰለይ።
8 ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።
9 ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፣ ንባርያኻ ብቚጥዓ ኣይትደርብዮ፣ ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይ፣ ኣይትጠንጥነኒ፣ ኣይትሕደገኒ።
10 ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።
11 ዎ እግዚኣብሄር፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ።
12 ሐሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም እዮም እሞ፣ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ።
13 አየ፡ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርአዮ እንተ ዘይአምንሲ …
14 ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ።
2 ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።
3 ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፣ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ።
4 ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሀቦም፣ ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፣ እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም።
5 ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፣ ኬፍርሶም ኣይኪሀንጾምን ድማ እዩ።
6 እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዅኖ።
7 እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ ኣሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።
8 እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፣ ንቕቡኡውን ዕርዲ ምድሓን እዩ።
9 ንህዝብኻ ኣድሕኖ፣ ንርስትኻ ድማ ባርኮ፣ ጓስዮም፣ ንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም።

 

1 ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፡ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎ።
2 ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ።
3 ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ ኣሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
4 ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣን፣ ድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ።
5 ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ።
6 ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም።
7 ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ።
8 ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ።
9 ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል ኣሎ።
10 እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ።
11 እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ።

1 ንላዕሊ ስሒብካኒ፣ ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ።
2 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።
3 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጒድጓድ ከይወርድሲ፣ ንህይወት ኣድሐንካኒ።
4-5 ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
6ኣነንከ ብራህዋይ፣ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ።
7ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጎስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፣ ገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ አእውየ፣ ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣
9 ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፧ መሬትዶ ኺውድሰካ፣ ንሓቅኻስ ኪሰብኮ ድዩ፧
10 ዎ እግዚኣብሄር፣ ስማዕ እሞ ምሓረኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይ ኩን።
11-12 ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለአለም ክውድሰካ እየ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ፣ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።
2 እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ቀልጢፍካ ኣናግፈኒ፣ ጽኑዕ ከውሒ፣ ዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ።
3 እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን።
4 ንስኻ ጸግዔይ ኢኻ እሞ፣ ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ።
5 ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ ኣሎኹ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ፣ ኣድሒንካኒ ኢኻ።
6 ነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዚጽግዑ እጸልኦም እየ፣ ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል።
7-8 ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።
9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጸቢቡኒ እዩ እሞ ምሐረኒ፣ ዓይነይ፣ ነፍሰይ ከብደይውን ብሓዘን ማህሚኑ።
10 ህይወተይ ብጓሂ፣ ዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡ፣ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፣ ኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ እሞ፣
11 ብሰሪ ዅላቶም ጸላእተይሲ መጻረፊ ዀይነ፣ ንጐረባብተይ ኣውራ መጻረፊ፣ ንዚፈልጡኒ መፍርሂ ዀይነ፣ እቶም ኣብ ኣደባባይ ዚርእዩኒ ኻባይ ይሀድሙ ኣለዉ።
12 ከም ምዉት ካብ ልቢ ተረሲዔ፣ ከም ስቡር ኣቕሓ ዀይነ።
13 ሕሜት ብዙሓት ሰሚዔ ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ወገን ስምባድ አሎ። ንጕድኣተይ ኪመኽሩ ኸለዉ፣ ንህይወተይ ኪነጥቅዋ ጠላለፉ።
14 ኣነ ግና፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ኣነስ፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልኩ።
15 ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።
16 ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮ፣ ብሳህልኻ ኣድሕነኒ።
17 ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ተማህሊለ ኣሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ። ረሲኣን ይሕፈሩ፣ ኣብ ሲኦልውን ስቕ ይበሉ።
18 እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዐበሳ ደአ።
19 ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም፣ ነቶም ኣባኻ ዚምሕጸኑ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ።
20 ካብ ውዲት ሰብ ብመሰወርያ ገጽካ ትኽውሎም፣ ካብ ክርክር መልሓስ ኣብ ድንኳንካ ትሐብኦም።
21 ኣብ ጽንዕቲ ኸተማ ዜደንቕ ሳህሉ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
22 ኣነስ ብስምባደይ፣ ካብ ኣዒንትኻ ተሰጕጐ እየ፣ በልኩ፣ ናባኻ እንተ ኣእዌኹ ግና፣ ድምጺ ጸሎተይ ሰማዕካ።
23 ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም፣ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ። እግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎም፣ ንዕቡይ ከኣ ኣብዚሑ ይፈድዮ እዩ።
24 ኣቱም ብእግዚብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፣ በርትዑ፣ ልብኹምውን ይጽናዕ።

 

1 ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
2 እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
3ስቕ ኢለ ኸሎኹ፣ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ።
4 ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፣ ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ።
5 ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፣ በደለይውን ኣይሰወርኩን፣ ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፣ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።
6 ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ፣ ብሓቂ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍኤውን፣ ኣይኪበጽሖን እዩ።
7 ንስኻ ኸውለይ ኢኻ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒ፣ ብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ፣
8 ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።
9 ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበየ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።
10 ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ ኣለዎ፣ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ግና፣ ንእኡ ብጸጋ ኪኸቦ እዩ።
11 ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።

1 ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር እልል በሉ፣ ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም እዩ።
2 ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፣ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ።
3 ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣ ብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ።
4 ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ።
5 ጽድቅን ፍርድን ይፈቱ፣ ምድሪ ብሳህሊ እግዚኣብሄር መሊኣ እያ።
6 ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ።
7 ንማያት ባሕሪ ኸም ኵልስስቲ ይዅምሮ፣ ንመዓሙቚ ኣብ መዛግብቲ ይእክቦ።
8-9 ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘ፣ ቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ።
10 እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፣ ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ።
11 ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም እዩ፣ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም።
12 እግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።
13 እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም፣
14-15 እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፣ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፣ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ።
16 ንጉስ ብምብዛሕ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፣ ጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይናገፍን።
17 ፈረስ ንምድሓን ከንቱ እዩ፣ ብዓብዪ ሓይሉ ኣየናግፍን።
18-19 እንሆ፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፋ፣ ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፣ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዚፈርህዎ፣ ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ እያ።
20 ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ፣ ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ።
21 ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቊብና ኢና እሞ፣ ልብና ብእኡ ይሕጐስ ኣሎ።
22 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።

 

1 ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።
2 ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም።
3 ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ።
4 ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ።
5 ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን።
6 እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።
7 መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።
8 እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።
9 ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ።
10 ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን።
11 ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ።
12 ህይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን ኣሎ፧
13 መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣
14 ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን።
15 ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፣ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን።
16 ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስ፣ ገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ።
17 ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም።
18 እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
19 ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።
20 ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።
21 ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም።
22 እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቊቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይኵነንን እዩ።

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮም።
2 ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእ።
3 ኵናት ኣምበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላ።
4 ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።
5 ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም።
6-7 ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎም።
8 ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞ፣ ንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ።
9 ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ።
10 ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎ፣ ንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፧ ኪብላ እየን።
11 ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣
12 ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ ኣላ።
13 ኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ።
14 ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩ፣ ብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ።
15 እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይ፣ ኣይፈለጥኩን ከኣ፣ ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን፣
16 ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይ።
17 ጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።
18 ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ።
19 ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ።
20 ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም ኣለዉ።
21 ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶ፣ ይብሉ ኣለዉ።
22 ዎ እግዚኣብሄር፣ ርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሓቕ።
23 ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፣ ንመሰለይ ንቓሕ፣ ንነገረይ ድማ ተንስእ።
24 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅኻ በይነለይ፣ ብአይ ድማ ኣይተሐጕሶም።
25 ብልቦም፣ ኣሰይ፣ ድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉ፣ ወሐጥናዮ፣ ኣይበሉ።
26 ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ።
27 እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱን፣ ኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ።
28 መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።

 

1 ረሲእ ብውሽጢ ልቡ ኽፍኣት ይዛረብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር የልቦን።
2 ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲ፣ በዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ እዩ እሞ፣
3 ቃላት ኣፉ እከይን ጥልመትን እዩ፣ ጠቢብ ምዃንን ሰናይ ምግባርን ሐዲጉ።
4 ኣብ ምድቃሱ ኽፍኣት ይፍሕስ፣ ኣብ ዘይጽብቕቲ መገዲ ይቐውም፣ ንእከይ ኣይጽየፎን እዩ።
5 ዎ እግዚኣብሄር፣ ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት፣ እምንነትካውን ክሳዕ ደበናታት ይበጽሕ።
6 ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ። ጐይታየ፣ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ።
7 ዎ ኣምላኽ፣ ሳህልኻ ኽንደይ ክቡር እዩ፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ይጽግዑ።
8 ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም።
9 ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ ኣሎና።
10 ሳህልኻ ነቶም ዚፈልጡኻ፣ ጽድቅኻውን ንቕኑዓት ልቢ ወስኽ።
11 እግሪ ዕቡይ ኣይምጽኣኒ፣ ኢድ ረሲኣን ኣይትስጐጐኒ።
12 እንሆ፣ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብኣ ወደቑ። ተፈገሙ፣ ኪትንስኡ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም።

1-2 ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ።
3 ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ።
4 ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።
5 መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።
6 ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን፣ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ።
7 ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ።
8-9 እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ።
10 ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ።
11 ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።
12 ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉ፣ ኣስናኑውን ይሕርቅመሉ።
13 እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ።
14 ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ኬውድቕዎ፣ ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዚኸዱ ኸኣ ኪሐርድዎም፣ ሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ።
15 ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዚአቱ፣ ቀስቶምውን ኪስበር እዩ።
16-17 ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ።
18 እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፣ ርስቶም ከኣ ንዘለአለም ኪነብር እዩ።
19 ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩን፣ ብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም።
20 ረሲአን ግና ኪጠፍኡ እዮም፣ ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፣ ኪበኑ፣ እወ፣ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም።
21-22 እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ።
23 ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ።
24 እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ።
25 ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።
26 ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፣ ዘርኡውን ብሩኽ እዩ።
27-28 እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን፣ ንዘለአለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ።
29 ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።
30 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብ፣ ልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር።
31 ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።
32 ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ኪቐትሎምውን ይደሊ።
33 እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይኪሐድጎን፣ ኪፍረድ ከሎውን ኣይኪዅንኖን እዩ።
34 ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፣ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ።
35 ንረሲእ፣ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ ዝለምለመት ኦም፣ ብስልጣኑ ርኤኽዎ።
36 ምልስ እንተ በልኩ ግና፣ ሰአንክዎ፣ ደሌኽዎ እሞ ኣይረኸብክዎን።
37 ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፣ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ።
38 በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቚረጽ እዩ።
39 ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ።
40 እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፣ ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፣ ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ።

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትገስጸኒ፣ ብነድርኻ ኣይትቕጸዓኒ።
2 ፍላጻታትካ ወጊኤናኒ እየን እሞ፣ ኢድካ ኸቢዳትኒ ኣላ።
3-4 በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ ኣሎ።
5 ብሰሪ ዕሽነተይ፣ ኣቝሳለይ ይብድብድን ይመጕልን ኣሎ።
6 ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፣ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር ኣሎኹ።
7 ጐነይ ረስኒ መሊኡ እዩ እሞ፣ ስጋይሲ ጥዑይ የብሉን።
8 ኣነ ሰንሰንኩ፣ እምብዛ ተቐጥቀጥኩ፣ ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር ኣሎኹ።
9 ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን።
10 ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፣ ሓይለይ ይጠልመኒ ኣሎ፣ ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ።
11 ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ካብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ ኣለዉ።
12 ንነፍሰይ ዚደልዩ ኸአ መጻወድያ የጻውዱለይ፣ ጕድኣተይ ዚደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፣ ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሐስቡለይ ኣለዉ።
13 ኣነ ግና ከም ጸማም ኰይነ ኣይሰምዕን፣ ኣፉ ኸም ዘይከፍት ዓባስ ኰንኩ።
14 እወ፣ ከም ዘይሰምዕ፣ ብአፉውን ምላሽ ዜብሉ ሰብአይ ኰንኩ።
15 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብኣኻ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፣ ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ንስኻ ኽትመልስ ኢኻ።
16 እግረይ እንተ ኣንደልሀጸ፣ ከይዕበዩለይ እሞ፣ ብአይ ከይሕጐሱ፣ በልኩ።
17 ኣነ ንምሕንካስ ቀሪበ እየ እሞ፣ ስቓየይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
18 በደለይ እናዘዝ ኣሎኹ እሞ፣ ብሓጢኣተይ እጕሂ ኣሎኹ።
19 ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም፣ ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም።
20 ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ ኣለዉ።
21 ጐይታይ፣ ኣይትሕደገኒ፣ ኣምላኸይ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ።
22 ጐይታይ፣ ምድሓነይ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።

 

1 ብመልሓሰይ ከይስሕት፣ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፣ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንአፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ።
2 ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣ ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ።
3 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፣ ከስተንትን ከልኹ፣ ሓዊ ተቓጸለ፣ ብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ፣
4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።
5 እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን፣ ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ።
6 ብሓቂ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፣ እወ ንኸንቱ እዩ ዚህወኽ፣ ይድልብ፣ ንመን ምዃኑውን ኣይፈልጥን።
7 ሕጂኸ እንታይ እጽበ ኣሎኹ፧ ጎይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ።
8 ካብ ኩሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣ መላገጽ ዓያሱ አይትግበረኒ።
9 ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፣ ስቕ እብል፣ ኣፈይ ኣይከፍትን።
10 ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ ኣሎኹ፣ ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ።
11 ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕካዮ፣ ንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ።
12 ኣብ ቅድሜኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣቦታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣ ዎ ጐይታይ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል።
13 ካብዚ ኸይከድኩ፣ ህልውናይ ከይጠፍኤ ኽቐስንሲ፣ ሕደገኒ።

1 ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኽዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ።
2 ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽአኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙ፣ ንስጉምተይ ኣጽንዖ።
3 ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንአምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም።
4 እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ።
5 ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ተአምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
6 ንመስዋእትን መባእን ባህጉ የብልካን፣ ኣእዛነይ ከፈትካለይ፣ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይትደልን ኢኻ።
7-8 ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ ኣሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።
9 ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።
10 ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎን፣ እሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን።
11 ጐይታየ፣ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልአኒ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ።
12 ቊጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒ፣ ምርአይ ክሳዕ ዝስእን፣ በደለይ ኣርኪቡኒ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ፣ ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ።
13 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምንጋፈይ ስመር፣ ጐይታየ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
14 ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈሩን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።
15 እቶም፣ እሰይ እሰይ፣ ዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ።
16 ንኣኻ ዚደልዩ ዅሎም ይተሐጐሱ፣ ብኣኻውን ባህ ይበሎም። ምድሓንካ ዜፍቅሩ ዘበሉ፣ ከየብኰሩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ።
17 ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፣ እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣምላኸየ፣ ኣይትደንጒ።

 

1 ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ።
2 እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ።
3 ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።
4 ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ።
5 ጸላእተይ፣ መአዝ ኰን ኪመውት፧ መአዝሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧ ኢሎም ብአይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ።
6 ሓደ እንተ በጽሓኒ፣ ብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ።
7-8 ኵሎም ጸላእተይ ብአይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ ኣሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብአይ ክፉእ ይምህዙ ኣለዉ።
9 እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ።
10 ንስኻ ግና፣ ጐይታየ፣ ምሐረኒ፣ ክፈድዮም ከኣ ኣተንስአኒ።
11 ጸላእተይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ።
12 ንአይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለአለም ተንብረኒ ኣሎኻ።
13 እግዚኣብሄር፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን።

1 እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ ኣላ።
2 ነፍሰይ ንአምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ ኣላ፣ መአዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧
3 ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ።
4 ኣነ ምስ ብዙሓት፣ ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት።
5 ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጒህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
6 ዎ ኣምላኸይ፣ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ ኣሎኹ
7 ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቚ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፣ ሸምቦታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሐለፈ።
8 እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድ፣ ብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ ኣሎ፣ ንአምላኽ ህይወተይውን እልምን።
9 ኣነ ንአምላኽ፣ ከውሔይ፣ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፧ ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ ዝኸይድ፧ እብሎ ኣሎኹ።
10 ኵሉ መዓልቲ፣ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧ እናበሉ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ።
11 ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ።
2 ኣምላኽ ሓይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለምንታይ ደርቤኻኒ፧ ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ እኸይድ ኣሎኹ፧
3 ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።
4 ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፣ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክአቱ እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸየ፣ ብበገና ኸመስግነካ እየ።
5 ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ትጕህዪ፧ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

1 ኣምላኽ እቲ ቐደም ብዘመናቶም ዝገበርካዮ ግብርስ ኣቦታትና አዘንትዮምልና፣ በእዛንና ሰሚዕናዮ።
2-3 ብሂግካዮም ነበርካ እሞ፣ ብየማናይ ኢድካን ቅልጽምካን ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፣ ብሰይፎምሲ ነታ ሃገር ኣይወረስዋን፣ ብቕልጽሞምውን ኣይደሐኑን እሞ፣ ነህዛብ ብኢድካ ሰጒግካ ንኣታቶም ተኸልካ ንህዝብታት ኣጥፊእካ፣ ንኣታቶም ኣግፋሕካ።
4 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ንጉሰይ ኢኻ፣ ምድሓን ያእቆብ ኣዝዝ።
5-6 ብቐስተይ ኣይኰንኩን ዝውከል፣ ሰይፈይውን ኣይኬድሕነንን እዩ እሞ፣ ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቖም፣ ንተቓወምትናውን ብስምካ ኢና እንረግጾም።
7 ካብ ተጻረርትና ዘድሐንካና፣ ንጸላእትናውን ዘሕፈርካዮምሲ ንስኻ ኢኻ።
8 ኵሉ መዓልቲ ብአምላኽ ንሕበን፣ ስምካውን ንዘለአለም ነመስግን።
9 ሕጂ ግና ደርቢኻና ኣሕፊርካናውን፣ ምስ ሰራዊትና ድማ ኣይትወጽእን ኣሎኻ።
10 ካብ ተጻራሪ ኣምለስካና፣ ጸላእትናውን ዘመቱና።
11 ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሀብካና፣ ኣብ ኣህዛብውን ፋሕ ኣበልካና፣
12 ንህዝብኻ ብኸምኡ ሸጥካ፣ ብዋጋኡ ኣይረባሕካን።
13 ንጐረባብትና መጻረፊ፣ ኣብ ዙርያና ንዚነብሩ ኸኣ መባለቲኦምን መላገጺኦምን ገበርካና።
14 ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ርእሶም መነቕነቒ ገበርካና።
15-16 ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይን፣ ብሰሪ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፊኑኒ ኣሎ።
17 እዚ ዅሉ በጽሓና፣ ግናኸ ኣይረሳዕናካን፣ ኪዳንካውን ኣይጠለምናን።
18-19 ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካና፣ ብጽላሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፣ ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰን፣ ስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን።
20 ስም ኣምላኽና ረሲዕና፣ ኣእዳውና ናብ ጓና ኣምላኽ ዘርጊሕና እንተ ንኸውንሲ፣
21 ኣምላኽ ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ነዚዶ ኣይምመርመሮን ነይሩ፧
22 ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና።
23 ጐይታየ፣ ተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፧ ኤረ ንቓሕ፣ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና።
24 ንምንታይከ ገጽካ እትኽውል፧ መከራናን ጸበባናን እትርስዕ፧
25 ነፍስና ናብ ሓመድ ደኒና፣ ስጋና ኣብ ምድሪ ጠቢቑ እዩ እሞ፣
26 ንረዲኤትና ተንስእ፣ ምእንቲ ሳህልኻውን ኣድሕነና።

1 ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።
2 ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፣ ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዘለአለም ባረኸካ።
3 ኣታ ጅግና፣ ሰይፍኻ ኣብ ሕቛኻ ዕጠቕ፣ ክብርኻን ግርማኻን ልበስ።
4 ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ፣ የማነይቲ ኢድካውን ዜፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ።
5 ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፣ ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይአትዋ። ህዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ።
6 ዎ ኣምላኽ፣ ዝፋንካ ንዘለአለመ ኣለም እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ።
7 ጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።
8 ኣልባስካ ዅሉ ከርበን ዓልወን ዝባድን ይጨኑ፣ ኣብ ኣደራሻ ስኒ ሓርማዝውን በገናታት ባህ የብለካ ኣሎ።
9 ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።
10 ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።
11 ንጉስ ንውብነትኪ ይብህጎ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ።
12 ጓል ጢሮስን ናይ ህዝቢ ሃብታማትን፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም።
13 ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ።
14 ዝንጒርጒር ክዳን ተኸዲና ናብ ንጉስ ኬእትውዋ፣ ብድሕሪኣ ኣዳኖታታ ደናግል ናባኻ ኺወስድወን እዮም።
15 ብሓጐስን እልልታን ተዐጂበን ኪመጻ፣ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኪአትዋ እየን።
16 ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ።
17 ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፣ ስለዚ ህዝብታት ንዘለአለም ኬመስግኑኻ እዮም።

 

1 ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።
2-3 ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና።
4 ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ ኣሎ።
5 ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።
6 ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግስትታት ተናወጹ፣ ድምጹ ኣስምዔ፣ ምድሪ መኸኸት።
7 ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ። ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።
8 ንዑ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር፣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ፣
9 ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮ፣ ንዅናት ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።
10 ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።
11 ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።

1 ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።
2 ልዑል እግዚኣብሄር ዜፍርህ እዩ እሞ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
3 ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም።
4 ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና።
5 ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ።
6 ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ።
7 ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ።
8 ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሱ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ።
9 መሳፍንቲ ኣህዛብሲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ኪዀኑ ይእከቡ ኣለዉ። ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ።

1 ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑ፣ እግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ።
2 ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፣ ሓጐስ ኵላ ምድሪ፣ ብውበታ ልዕል ትብል።
3 ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
4 እንሆ፣ ነገስታት ተአከቡ፣ ሐቢሮም ሐለፉ።
5 ርእዮም ተደነቑ፣ ተሸቢሮም ሀደሙ።
6 ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም።
7 ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቕ ትሰባብረን።
8 ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ኬጽንዓ እዩ።
9 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ንሳህልኻ ሐሰብናዮ።
10 ዎ ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፣ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ።
11 ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፣ ኣዋልድ ይሁዳ እልል ይብላ።
12 ንጽዮን ዙርዋ፣ ብዙርያኣ ተመላለሱ፣ ግምብታታ ቚጸሩ።
13 ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፣ ቀጽርታታ ኣስተብህሉ፣ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ።
14 እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለአለም ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።

1-2 ኵሉዅም ኣህዛብ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፣ ሕሱራትን ክቡራትን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሐቢርኩም ጽን በሉ።
3 ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፣ ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ።
4 እዝነይ ናብ ምስላታት ኤድንን፣ ስዉር ፍልጠተይውን ብበገና እገልጽ ኣሎኹ።
5 እከይ እቶም ዚረግጹኒ ኪኸበኒ ኸሎ፣ ብመዓልቲ ጸገማ ንምንታይ እየ ዝፈርህ፧
6 እቶም ኣብ ገንዘቦም ዚውከሉ፣ ብብዝሒ ሃብቶም ከኣ ዚምክሑ ዘለዉስ፣
7-9 ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንአምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለአለም ከኣ ተሪፉ እዩ።
10 ጠቢባን ከም ዚሞቱ፣ ዓሻን ደንቈሮን ሐቢሮም ከም ዚጠፍኡ፣ ገንዘቦም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሐድጕሎምሲ ኺርኢ ደአ እዩ።
11 ኣባይቶም ንዘለአለም፣ መሓድሮም ካብ ወለዶ ንወለዶ ኸም ዚነብር፣ ውሽጣዊ ሓሳቦም እዩ። ንምድሮም በብስሞም ይሰምይዎ ኣለዉ።
12 ግናኸ ሰብ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል፣ ከቢሩ እኳ እንተሎ ኣይነብርን እዩ።
13 እዛ መገዶምሲ ዕሽነቶም እያ፣ ድሕሪኦም ዚመጹውን ንባህሎም ይሰምርዎ።
14 ከም ኣባጊዕ ኣብ ሲኦል ይነብሩ፣ ሞት ይጓስዮም። ንግሆ ቅኑዓት ይገዝእዎም፣ ውቃቢኦም ኣብ ሲኦል ይጠፍእ፣ ማሕደርውን የብሎምን።
15 ኣምላኽ ግና ኪቕበለኒ እዩ እሞ፣ ንሱ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ኬናግፋ እዩ።
16 ሰብ እንተ ሀብተመ፣ ክብረት ቤቱ እንተ በዝሔ፣ ኣይትፍራህ።
17 ክብረቱ ኣስኣሰሩ ኣይወርድን እዩ እሞ፣ ምስ ዚመውት፣ ገለ እኳ ኣይማላእን።
18 ሽሕ እኳ ብህይወቱ ነፍሱ እንተ ኣመስገነ፣ ንርእስኻ ሰናይ እንተ ገበርካላ፣ ሰባትውን እንተ ነአዱኻ፣
19 ንስኻስ ናብቶም ከቶ ብርሃን ዘይርአዩ ዓሌት ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ።
20 ምስትውዓል ዜብሉ ሰብ ብኽብሩ እኳ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል።

 

1 እቲ ስልጡን ኣምላኽ፣ እግዚኣብሄር፣ ተዛረበ፣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ንምድሪ ጸውዓ።
2 ካብ ጽዮን፣ እታ ፍጻሜ መልክዕ፣ ኣምላኽ ደመቐ።
3 ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።
4-5 ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ ኣሎ።
6 ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ እሞ፣ ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ።
7 ኣታ ህዝበይ፣ ኣነ ኽዛረብሲ ስማዕ፣ ኣታ እስራኤል፣ ኣነ ኽምስክር እየ፣ ኣነ ኣምላኽሲ፣ ኣምላኽካ እየ።
8 ብዛዕባ መስዋእትታትካ ኣይወቕሰካን፣ መስዋእትታት ምሕራርካ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
9-11 ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ኻብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን።
12 ምድርን ምልኣታን ናተይ እያ እሞ፣ እንተ ዝጠሚ እኳ ኣይምነገርኩኻን።
13 ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፧ ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ እየ፧
14 መስዋእቲ ምስጋና ንአምላኽ ሰውኣሉ፣ መብጽዓኻውን ንልዑል ሀቦ።
15 ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፣ ኣነ ኸናግፈካ እየ፣ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ።
16-17 ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፣ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧ ንኺዳነይውን ብአፍካ እተውስኦ፣
18 ሰራቒ ምስ ርኤኻ፣ ምስኡ ሐበርካ፣ ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ።
19 ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፣ መልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ።
20 ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሐምዮ፣ ንወዲ እኖኻውን ተነውሮ አሎኻ።
21 እዚ እናገበርካስ፣ ኣነ ስቕ በልኩልካ፣ እህ፣ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፣ ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፣ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቚም እየ።
22 ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፣ ኣነ ኸይሰላልዓኩም እሞ፣ ዜናግፈኩም ከይትስእኑስ፣ ነዚ ኣስተብህልዎ።
23 መስዋእቲ ምስጋና ዚስውአለይ የኽብረኒ፣ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ።
2 ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ።
3 ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
4 ብዘረባኻ ጻድቕ፣ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።
5 እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።
6 እንሆ፡ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፡ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ።
7 ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ።
8 እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኺሕጐሳስ፣ ባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒ።
9 ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ።
10 ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።
11 ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።
12 ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።
13 መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፣ ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም።
14 ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፣ ልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ።
15 ጐይታየ፣ ኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲ፣ ከናፍረይ ክፈት።
16 መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፣ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፣
17 መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።
18 ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ።
19 ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ፣ ብዚሐርር መስዋእቲ፣ ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ኬቕርቡልካ እዮም።

 

1 ኣታ ሓያል፣ ስለምንታይ ብእከይ እትምከሓሉ፧ ጸጋ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር።
2 ኣታ መታለሊ፣ መልሓስካ ኸም በሊሕ መላጸ ጥፍኣት ትምህዝ ኣላ።
3 ካብ ሰናይሲ እከይ፣ ካብ ዘረባ ጽድቂውን ሓሶት ትፈቱ ኣሎኻ።
4 ኣቲ ሓሳዊት መልሓስ፣ ቃላት ጥፍኣት ዘበለ ትፈትዊ ኣሎኺ።
5 ስለዚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኼጥፍኣኪ እዩ፣ ኪሕዘኪ ኻብ ድንኳንኪውን ኪምንጥለኪ፣ ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ።
6-7 ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፣ እንሆ፣ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፣ ብኽፍኣቱ ዝበርትዔ እምበር፣ ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብአይ እዚ እዩ፣ እናበሉ ኺስሕቅዎ እዮም።
8 ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለአለም ኣለም እውከል።
9 እዚ ስለ ዝገበርካ፣ ንሓዋሩ ኸመስግነካ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ።

1 ዓሻ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን።
2 ኣምላኽሲ፣ ሓደ ለባም ንኣምላኽ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፣ ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።
3 ኵሎም ዐልዮም፣ ብዘለዉ ተባለሽዮም፣ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።
4 እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚበልዕዎ፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፣ ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፧
5 ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱ፣ ኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፣ ንስኻ ኣሕፈርካዮም።
6 ኣየ፣ ምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዚመጽእ። ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዜምልሶም፣ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤል ከኣ ባህ ኪብሎ እዩ።

1 ዎ ኣምላኽ፣ ብስምካ ኣድሕነኒ፣ ብስልጣንካውን በይነለይ።
2 ዎ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።
3 ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን።
4 እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ።
5 ንእከይ ናብ ጸላእተይ ኪመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም።
6 ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ።
7 ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ

1 ዎ ኣምላኽ፣ ንጸሎተይ ጽን በል፣ ካብ ምህለላይውን ኣይትተሐባእ።
2-3 ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፋዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ ኣለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቚዝማይ ህድአት ስኢነ፣ እህህ እብል ኣሎኹ።
4 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ።
5 ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፣ ረዓድውን ኣጐልበበኒ።
6 ኣየ፣ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወንስ፣ ነፊረ ምዐረፍኩ ነይረ፣ በልኩ።
7 እንሆ፡ ኣርሒቐ ምሃደምኩ፡ ኣብ በረኻውን ምሐደርኩ።
8 ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሀድም፣ ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ።
9 ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ ኣሎኹ እሞ፣ ጐይታየ፣ ኣጥፍኣዮም፣ መላሕሶም ፈላሊ።
10 ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩ፣ በደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ አሎ።
11 ሕሰም ኣብ ውሽጣ ኣሎ፣ ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።
12 ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩ፣ ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተሐባእኩ፣
13 ግናኸ ማዕረይ፣ መሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብአይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ።
14 ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና።
15 እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን ኣሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ።
16 ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል ኣሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ።
17 ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቚዝም እህህውን እብል ኣሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።
18 ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ።
19 ኣይልውጡን፣ ንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፣ ካብ ጥንቲ ዚነብር ዘሎ ኣምላኽ ሰሚዑ ኺመልሰሎም እዩ።
20 ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ።
21 ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፣ ልቡ ግና ውግእ እዩ፣ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ እተመሰተ ኣስያፍ እዩ።
22 ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።
23 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቚ ጒድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግና ኣባኻ እውከል አሎኹ።

 

1 ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፣ ኪውሕጡኒ ይደልዩ ኣለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ።
2 ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ።
3 በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል።
4 ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፧
5 ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይካራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ።
6 ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም እሞ፣ ስጉምተይ ይስልዩ ኣለዉ።
7 ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፧ ዎ ኣምላኽ፣ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም።
8 ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧
9 በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ ኣሎኹ።
10 ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
11 ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧
12-13 ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ ኣሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቊብ ኣላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ።
2 ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ ኣሎኹ።
3 ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይ፣ ኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድሕነኒ እዩ፣ ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ።
4 ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፣ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣሎኹ።
5 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6 ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻወዱለይ፡ ነፍሰይ ጐበጠት፡ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፡ ኣብኡውን ወደቑ።
7 ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ።
8 ክብረየ፣ ንቕሒ፣ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።
9 ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
10 ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣
11 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።

1 ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ስቕ ብምባልኩምዶ ጽድቂ ትዛረቡ፧ ሓቂዶኸ ትፈርዱ ኢኹም፧
2 ኣብ ልብኹምስ እባ በደል ደአ ትብድሉ፣ ግፍዒ ኣእዳውኩም ኣብ ሃገር ትመዝኑ።
3 ረሲአን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፣ ሓሰውቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ።
4-5 ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ ኣለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም።
6 ዎ ኣምላኽ፣ ኣስናኖም ኣብ ኣፎም ሰባብሮ፣ ጐይታየ፣ ኰራርምቲ ሽደናት ኣናብስ መዝሕቕ።
7 ከም ዚዅዖ ማይ ይከዐዉ። ፍላጻታቱ እንተ ገተረን፣ ይጕደማ።
8 ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚመክኽ ኣረነ፣ ከምቲ ጸሓይ ዘይረአየ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።
9 ቈራርዕኩም ሓዊ ቐሸም ከይቀረቦ፣ ህቦብላ ንጥሉልን ንንዱድን ይመንጥሎ።
10 ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኺሕጐስ፣ ኣእጋሩ ብደም ረሲእ ኪሕጸብ እዩ።
11 ሰባት ከኣ፣ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ ኣለዎ፣ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ ኣሎ፣ ኪብሉ እዮም።

1 ኣምላኸየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቚመኒ።
2 ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፣ ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ።
3 እነዉ፣ ንነፍሰይ ይጻናተውዋ ኣለዉ እሞ፣ ጐይታየ፣ ብአበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሓቢሮም ዘለዉ።
4 ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ፣ ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ።
5 ጐይታይ፣ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም፣ ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ ንሓደ እኳ ኣይትምሐር።
6 ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
7 መንከ ዚሰምዕ ኣሎ፧ እናበሉ፣ እንሆ፣ ኣፎም ይግንፍል፣ ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ ኣሎ።
8 ግናኸ ጐይታየ፣ ንስኻ ኽትስሕቆም፣ ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ።
9 እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ።
10 ኣምላኸይ ብሳህሉ ይቕበለኒ፣ ኣምላኽ ነቶም ጸላእተይ ብሓጐስ የርእየኒ።
11 ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም። ኣታ ጐይታና፣ ዋልታና፣ ብሓይልኻ ኣዀብልሎም እሞ ኣውድቆም።
12 ቃል ከናፍሮም ሓጢኣት ኣፎም እዩ፣ ስለቲ ዚዛረብዎ መርገምን ሓሶትን ብትዕቢቶም ይተሐንኰሉ።
13 ብዅራኻ ኣጥፍኣዮም፣ ኣምላኽ ካብ ያእቆብ ጀሚሩ ኽሳዕ ወሰናት ምድሪ ገዛኢ ምዃኑ ኺፈልጡስ፣ ከም ዘይርከቡ ጌርካ ኣጥፍኣዮም።
14 ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ።
15 መብልዕ ደልዮም ይዛውኑ፣ ከይጸገቡ ኸኣ ይሐድሩ ኣለዉ።
16 ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፣ ንስኻ እምባ፣ ብመዓልቲ ጸበባውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፣ ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል ኣሎኹ።
17 ኣምላኽሲ እምባይ፣ ኣምላኽ ምሕረተይ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ንኣኻ ምስጋና እዝምር ኣሎኹ።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ደርቤኻና፣ ፋሕ ኣበልካና፣ ኰሬኻ። ምለሰና።
2 ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፣ ተርተርካያ፣ ትናወጽ ኣላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን።
3 ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮ፣ ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቴኻና።
4 ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም።
5 ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ። ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።
6 ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ ኣነ ኽዕወት፣ ንሴኬም ክመቕሎ፣ ንለሰ ሱኮትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ።
7 ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ ኸኣ ናተይ እዩ። ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።
8 ሞአብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፣ ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ። ዎ ፍልስጥኤም፣ እልል በልለይ።
9 ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧ ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ፧
10 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፧ ንስኻ ዎ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧
11 ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድአና።
12 ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።

1 ዎ ኣምላኽ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ።
2-3 ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
4-5 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም ኣሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቊብ ኣሎኹ።
6 ዕድመ ንጉስ ተንውሕ፣ ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር።
7 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፣ ምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ።
8 ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።

1 ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሃዲኣ ትጽበ፣ ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ ኣሎ።
2 ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣዝየ ኣይናወጽን።
3 ከም ዝቐነነ ግድጊዳን፣ ንምውዳቕ ዝተቐረበ መንደቕን፣ ኵሉኹም ሐቢርኩም ምእንቲ ኸተወድቕዎስ፣ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ እትጥሕሩ፧
4 ካብ ልዕልናኡ ኼጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩ፣ ብሓሶት ባህ ይብሉ፣ ብአፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ ኣለዉ።
5 ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሃዲእኪ ተጸበዪ።
6 ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣነ ኣይክናወጽን እየ።
7 ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ጽኑዕ ከውሔይን መዕቈብየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ።
8 ኣቱም ህዝቢ፣ ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ፣ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፣ መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ።
9 ውሉድ ኣዳም ምናምን ጥራይ እዮም፣ ውሉድ ሰብውን ሓሶት ጥራይ እዮም፣ ኣብ ሚዛን ልዕል ይብሉ፣ ኵሎም ብሓባር ካብ ምናምን ይፈዅሱ።
10 ኣብ ግፍዒ ኣይትወከሉ፣ ብዘመተ ኸኣ ኸንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፣ ሃብቲ እንተ በዝሔ፣ ልብኹም ኣይተውድቑሉ።
11 ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፣ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።
12 ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸጋውን ናትካ እዩ።

1 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ።
2 ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ ኣሎኹ።
3 ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን።
4 ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ።
5-7 ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።
8 ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ ኣላ።
9 እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኺወርዱ እዮም።
10 ንስልጣን ሰይፊ ኺውሀቡ፣ ግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም።
11 ንጉስ ግና ብአምላኽ ኪሕጐስ፣ ኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ።

1 ዎ ኣምላኽ፣ ክምህለል ከሎኹ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ።
2 ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት፣ ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ።
3-4 ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስ፣ መላሕሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉ፣ ፍላጻታቶም፣ መሪር ቃላት፣ ዜዝግቡ ሰውረኒ። ብድንገት ይወግኡ ኣለዉ፣ ኣይፈርሁን ድማ።
5 ኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑ፣ መፈንጠራ ኼጻውዱስ ይመኽሩ፣ መን ከይርእየና፣ ይብሉ ኣለዉ።
6 እከይ ሐሰቡ፣ ኣዝዮም መርመሩ፣ ነቲ እተመርመረ ምኽሪ ኸኣ ፈጸሙ። ውሽጢ ነፍሲ ወከፍን ልቡን ዓሚቚ እዩ።
7 ኣምላኽ ይወግኦም፣ ድንገት ብፍላጻ ይቘስሉ።
8 ይወድቁ፣ መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስ፣ ዚርእዮም ዘበለ ርእሱ ኺንቕንቕ እዩ።
9 ኵሎም ሰባት ከኣ ኪፈርሁ፣ ንግብሪ ኣምላኽ ድማ ኬዘንትዉ፣ ንዕዮኡውን ኬስተብህሉ እዮም።
10 ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ኪሕጐስ፣ ኣብኡ ኸኣ ኪውከል፣ ቅኑዓት ልቢ ዘበሉውን ኪሕበኑ እዮም።

1 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ጽዮን ብህድኣት የመስግኑኻ፣ መብጽዓውን ንኣኻ ኺፍጸም እዩ።
2 ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፣ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።
3 ኣበሳ በርቲዑኒ፣ ንስኻ ንምግሃስና ይቕረ ኽትብል ኢኻ።
4 ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካ፣ ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና።
5-7 ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ።
8 ኣብ ወሰን ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ብትእምርትኻ ይፈርሁ፣ ንምብራቕን ምዕራብን እልል ተብለን።
9 ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም።
10 ንነግሕታታ ተስትዮ፣ ንድንኵላታ ትምድምዶ፣ ብዝናም ተለምልማ፣ ንብቚላ ትባርኾ።
11 ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ።
12 ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብ፣ ኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ።
13 ኣካውሕ ብመጓሴታት ይኽደን፣ ለሴታትውን እኽሊ ይጒልበብ፣ እልል ይብሉን ይዝምሩን ኣለዉ።

1 ኵሉኹም ሃገራት፣ ንኣምላኽ እልል በሉሉ፣
2 ንኽብሪ ስሙ ዘምሩ፣ ንውዳሴኡ ኽብሪ ሀቡ።
3 ንኣምላኽ ከኣ፣ ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ፣ ጸላእትኻ ሳላ ዕቤት ስልጣንካ ኣቃባጢሮም ይግዝኡኻ፣ በልዎ።
4 ኵላ ምድሪ ኽትሰግደልካ ኽትዝምረልካውን እያ፣ ንስምካ ኽትዝምር እያ።
5 ንዑ፣ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርአዩ፣ ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ።
6 ንባሕሪ ንቑጽ ምድሪ ገይሩ ለወጦ፣ ንወሓዚ በእጋሮም ሰገርዎ፣ ሽዑ ብእኡ ተሐጐስና።
7 ብስልጣኑ ንዘለአለም ይገዝእ፣ ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይምልከታ። ዓለወኛታት ርእሶም ኣየልዕሉ።
8-9 ኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፣ ኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ።
10 ዎ ኣምላኽ፣ ተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና።
11 ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና።
12 ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፣ ብሓውን ብማይን ሐለፍና፣ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና።
13-14 መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፣ ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።
15 ካብ ስቡሓት ኣባጊዕ ምስ ዕጣን ደዓውል ገይረ፣ መስዋእቲ ምሕራር ከቕርበልካ እየ። ኣብዑርን ዲቤላታትን ክስውኣልካ እየ።
16 ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅሉኹም፣ ንዑ፣ ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ፣ ስምዑ።
17 ብአፈይ ናብኡ ኣእዌኹ፣ ምስጋናውን ኣብ ትሕቲ መልሐሰይ ነበረ።
18 ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።
19 ግናኸ ኣምላኽ ብሓቂ ሰሚዑኒ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ኣቕሊቡሉ እዩ።
20 እቲ ንጸሎተይ ዘይነዐቐ፣ ጸጋኡውን ዘየርሐቐለይ ኣምላኽሲ ይባረኽ።

 

1 ኣምላኽ ይምሓረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና።
2 መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ምድሓንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና።
3 ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ።
4 ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን።
5 ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ፣
6 ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።
7 ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ።

1 ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ።
2 ትኪ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖም፣ ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፣ ከምኡውን ረሲአን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ።
3 ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፣ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ።
4 ንኣምላኽ ቃንዩሉ፣ ንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።
5 ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።
6 ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፣ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፣ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።
7 ዎ ኣምላኽ፣ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፣ ብበረኻ ኽትሐልፍ ከሎኻ
8 ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበ፣ ሲና እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣንቀጥቀጠት።
9 ዎ ኣምላኽ፣ ዝናም ውህበትካ ኣዝነምካ፣ ነታ ዝሓመቐት ርስትኻ ኣደልደልካያ።
10 ህያዋንካ ኣብኡ ሐደሩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብለውሃትካ ንመሳኺን ኣዳሎኻሎም።
11 እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።
12 ናይ ሰራዊት ነገስታት ይሀድሙ፣ ይሀድሙ፣ ኣብ ገዛ ዝወዐለትውን ምርኮ ትማቐል።
13 ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሐደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፣ ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ።
14 እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፣ ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ።
15 ከረን ባሳን ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፣ ከረን ባሳን ኣርእስቱ ዝብዙሕ ከረን እዩ።
16 ኣቱም ብዙሕ ዘርእስትኩም ኣኽራን፣ ነቲ ኣምላኽ ንማሕደሩ ኪዅኖ እተመነዮ ኸረን ስለምንታይ ኢኹም ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧ እወ፣ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብኡ ኺነብር እዩ።
17 ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፣ ኣብ መቕደሱ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ።
18 ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኮ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።
19 እግዚኣብሄር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር ኣሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ።
20 ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ፣ ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ።
21 ኣምላኽ ግና ርእሲ ጸላእቱ፣ ኤረ ነቲ ብበደሉ ዚመላለስ ጐታን፣ መንበስበስታኡ ኺጭፍልቖ እዩ።
22-23 እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቚ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ።
24 ዎ ኣምላኽ፣ ኡደትካ፣ ናይ ኣምላኸይ፣ ናይ ንጉሰይ ኡደት ናብ መቕደስ ረአዩ።
25 ቅድም ዘመርቲ፣ ደሓር ቃነይቲ በገና ሰዐቡ፣ ከበሮ ዚወቕዓ ደናግል ኣብ ማእከል ነበራ።
26 ኣቱም ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ዝዀንኩም፣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማሕበራት ኣመስግንዎ።
27 ኣብኡ ብንያም፣ እቲ ምንኣስ ኵሎም፣ ገዛኢኦም፣ መሳንፍቲ ይሁዳን ጭፍራኦምን፣ መሳፍንቲ ዛብሎን፣ መሳፍንቲ ንፍታሌም ኣለዉ።
28 ኣምላኽካ ንሓይልኻ ኣዘዞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ።
29 ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም።
30 ብሩሮም ጾይሮም ምእንቲ ኺመጹኻ፣ ንኣራዊት ሰልሰላ፣ ንኣኼባ ኣብዑር ምስ ምራኹት ኣህዛብ ገስጾም። ነቶም ብውግእ ዚሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም።
31 መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።
32-33 አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፣ የስምዕ ኣሎ።
34 ንኣምላኽ ምልኪ ሀቡ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፣ ምልኩ ኣብ ደበናታት እዩ።
35 ዎ ኣምላኽ፣ ካብ መቕደስካ እተፍርህ ኢኻ። ንህዝቡ ሓይልን ስልጣንን ዚህብ ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይባረኽ።

 

1 ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ እዩ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣድሕነኒ።
2 ናብቲ መርገጺ ዜብሉ ዓሚቚ ሰልሚ ሰጢመ፣ ኣብ ጥልቂ ማያት አትየ፣ ማዕበላት ከኣ የጥሕለኒ አሎ።
3 ብምእዋየይ ደኺመ፣ ጐረሮይ ነቒጹ፣ ኣዒንተይ ንአምላኸይ ብምጽባይ ፈዚዘን።
4 ብኸንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጒሪ ርእሰይ ይበዝሑ፣ ብዘይ ምኽንያት ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ጸላእተይ ሓያላት እዮም፣ ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
5 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣ በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን።
6-7 ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር ኣሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣኻ ኣይነውሩ።
8-9 ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ።
10 እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።
11 ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩ፣ መመሰሊ ዀንክዎም።
12 ኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፣ ሰካራት ብአይ ይጭፍሩ።
13 አታ እግዚኣብሄር፣ ብቕብልቲ ጊዜ ግና ጸሎተይ ናባኻ እዩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብብዝሒ ምሕረትካ፣ ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ።
14 ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽአኒ፣ ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ።
15 ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒ፣ መዓሙቚ ድማ ኣይውሐጠኒ፣ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፋ ኣይትዕጾ።
16 ጐይታየ፣ ሳህልኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ምለሰለይ፣ ከም ዕቤት ምሕረትካ ተመለሰኒ።
17 ጸቢቡኒ እዩ እሞ፣ ንባርያኻ ገጽካ ኣይትኸውለሉ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ።
18 ክትብጀዋስ ናብ ነፍሰይ ቅረብ፣ ምእንቲ ጸላእተይ ኢልካ ኣናግፈኒ።
19 ንስኻ ጸርፈይን ነውረይን ሕፍረተይን ትፈልጦ ኢኻ፣ ኵሎም ተጻረርተይ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዉ።
20 ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ፣ ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ ዜጸናንዑኒ ደልየውን፣ ሰአንኩ።
21 ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ። ንጽምኤይውን መጺጽ ኣስተዩኒ።
22 መአዶም ኣብ ቅድሚኦም መፈንጠራ ይኹኖም፣ ደሓን ኢና ኺብሉ ኸለዉ፣ መጻወድያ ይኹኖም።
23 ኣዒንቶም ከይርእያ ይጸልምታ፣ ንሓቛቚኦምውን ኵሉ ጊዜ ኣንቀጥቅጦ።
24 መዓትካ ኣፍስሰሎም፣ ረስኒ ቚጥዓኻውን የርክቦም።
25 ማሕደሪኦም ይዕኖ፣ ኣብ ድንኳናቶም ዚነብር ሓደ እኳ ኣይረኸብ።
26 ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕዎ፣ ናይቶም ዘቚሰልካዮም ቃንዛ የዘንትውዎ ኣለዉ እሞ፣
27 ኣብ ርእሲ ዓገቦም ዓገብ ወስኮም፣ ናብ ጽድቅኻውን ኣይእተዉ።
28 ካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፣ ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሐፉ።
29 ኣነ ግና መስኪንን ምግዱርን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምድሓንካ ልዕል የብለኒ።
30 ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖ፣ ብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ።
31 እዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ዝራብዕ፣ ካብ ቀርንን ጽፍርን ዘለዎ ተፊንቲ ባህ ኬብሎ እዩ።
32-33 እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራትውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣ ኣቱም ንአምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር።
34 ሰማይን ምድርን ባሕርን፣ ኣብኡ ዚዋሳወስ ኵሉን ንእኡ የመስግንዎ።
35 ኣምላኽ ንጽዮን ኬድሕና፣ ንኸተማታት ይሁዳውን ኪሀንጸን እዩ እሞ፣ ኣብኤን ኪነብሩን ኪርስተዩን፣
36 ዘርኢ ባሮቱ ኺወርስዋ፣ ስሙ ዚፈትዉ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
2 እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን።
3 ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።
4 እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብአኻ ባህ ይበሎምን ይተሓጐሱን፣ እቶም ምድሓንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ።
5 ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጒ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ።
2 ብጽድቅኻ ኣናግፈንን ባልሃንን፣ እዝንካ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ።
3 ኵሉ ጊዜ ዝሀድመሉ ኸውሒ መሕደሪ ኹነኒ፣ ከውሔይን እምባይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ንምድሓነይ ኣዘዝካ።
4-5 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ።
6 ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ብአኻ ተደገፍኩ፣ ካብ ማሕጸን ወላዲተይ ዝፈላሌኻኒ ንስኻ ኢኻ፣ ምስጋናይ ኵሉ ጊዜ ንአኻ እዩ።
7 ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፣ ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ።
8 አፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልአዮ።
9-10 ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ ኣለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
12 ዎ ኣምላኽ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ንምርዳኤይ ፍጠን።
13 እቶም ንነፍሰይ ዚጻረርዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፣ እቶም ጕድአተይ ዚደልዩውን ነውርን ሓሳርን ይከደኑ።
14 ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር፣ ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ።
15 ቊጽሩ ኣይፈልጦን እየ እሞ፣ ኣፈይ ጸድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ።
16 ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፣ ጸድቅኻ፣ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ።
17 ዎ ኣምላኽ፣ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፣ ክሳዕ ሕጂውን ተአምራትካ ኣወጅኩ።
18 ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።
19 ዎ ኣምላኽ፣ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣ ኣታ፣ ዓበይቲ ግብርታት ዝገበርካ ኣምላኽ፣ መን ይመዓራረየካ፧
20 ኣታ፣ ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርኤኻና፣ መሊስካ ህይወት ክትህበኒ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መዓሙቚ ምድሪ ኸተውጽአኒ ኢኻ።
21 ንዕቤተይ ክትውስኸሉ፣ ብምጽንናዕ ከኣ ኽትከበኒ ኢኻ።
22 ኣምላኸየ፣ ኣነውን ንኣኻ፣ ንሓቅኻ ብበገና ኸመስግን፣ ኣታ ናይ እስራኤል ቅዱስ፣ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።
23 ከመስግነካ ኸሎኹ፣ ከናፍረይን እታ ዘድሐንካያ ነፍሰይን እልል ኪብላ እየን።
24 እቶም ጕድአተይ ዚደልዩ ሐፊሮምን ነዊሮምን እዮም እሞ፣ መልሓሰይ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽድቅኻ ኽትዛረብ እያ።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ንንጉስ ፍርድኻ፣ ንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም።
2 ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ብጽድቂ፣ ንጥቑዓትካውን ብቅንዕና ኺፈርዶም እዩ።
3 ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ ንህዝቢ ሰላም ኬምጽኡሉ እዮም።
4 ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።
5 ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋ፣ ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም።
6 ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ።
7 ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፣ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።
8 ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።
9 ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉ፣ ጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።
10 ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም።
11 ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም።
12 ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ።
13 ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፣ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።
14 ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣
15 ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም።
16 ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።
17 ስሙ ንዘለአለም ኪነብር፣ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፣ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም።
18 እቲ በይኑ ተአምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ።
19 ክቡር ስሙ ንዘለአለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፣ ኣሜን፣
20 ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ።

 

1 ብሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤል፣ ነቶም ንጹህ ልቢ ዘለዎም ሰናይ እዩ።
2 ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፣ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ።
3 ራህዋ ረሲአን ምስ ርኤኹ፣ ንደፋራት ቀናእኩሎም፣
4 ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፣ ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፣
5 ጸገማ መወትቲ የብሎምን፣ ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን።
6 ስለዚ ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦም፣ ግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም።
7 ኣዒንቶም ካብ ስብሒ ይወጻ፣ ሓሳባት ልቦም ይግንፍል።
8 የላግጹ፣ ብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ፣ ካብ ላዕሊ ይዛረቡ ኣለዉ።
9 ኣፎም ናብ ሰማይ የልዕሉ፣ መልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ይመላለስ።
10 ስለዚ ህዝቡ ናብዚ ይምለስ፡ ካብኦምውን ብዙሕ ማይ ይሰቲ።
11 ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ እዩ፧ ይብሉ ኣለዉ።
12 እንሆ፣ ረሲኣን እዚኣቶም እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ሀዲኦም፣ ሃብቲ ይውስኹ ኣለዉ።
13-14 ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፣ ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዔ እየ እሞ፣ እምበአርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፣ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ።
15 ከምኦም ክዛረብ እየ፣ ኢለ እንተ ዝኸውንሲ፣ ንወለዶ ውሉድካ ምጠለምኩ ነይረ።
16-17 ነዚ ኸስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ፣ መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ።
18 ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም፣ ናብ ጥፍኣት ተውድቖም።
19 ከመይከ ብድንገት ባደሙ፣ ጸነቱ፣ ብስምባድውን ተወድኡ።
20 ከም ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ፣ ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስ ነቓሕካ፣ ንምስሎም ከምኡ ኽትንዕቖ ኢኻ።
21 ልበይ ምስ መረረ፣ ኣብ ኰላሊተይ ምስ ተወጋእኩ፣
22 ዐሾኹ፣ ደንቈሮውን ነበርኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ዀንኩ።
23 ግናኸ ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፣ ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ፣
24 ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።
25 ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።
26 ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።
27 እንሆ፣ ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፣ ካባኻ ብምንዝርና ዚዐልዉ ዘበሉ ተጽንቶም።
28 ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።

 

 

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፧ ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ፧
2 ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያ፣ ዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፣ ነታ ዝሐደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር።
3 ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለአለም ዑና አልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ ኣሎ።
4 ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ።
5 ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሉ ሰብ ይመስሉ።
6 ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ።
7 ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ፣ ንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም።
8 ብልቦም፣ ሐቢርና ነጥፍኣዮም፣ በሉ፣ ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን።
9 ምልክትና ኣይንርእን፣ ነብዪ የሎን፣ ክሳዕ መአዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን።
10 ዎ ኣምላኽ፣ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፧ ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧
11 ስለምንታይ ኢድካ፣ ነታ የማነይቲኻ፣ ንድሕሪት እትመልሳ፧ ካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም።
12 ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ።
13 ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ።
14 ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም።
15 ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፣ ነቲ ዅሉ ጊዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ።
16 መዓልቲ ናትካ እያ፣ ለይቲውን ናትካ እያ፣ ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን።
17 ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፣ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።
18 ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎ፣ ዓሻ ህዝቢውን ንስምካ ከም ዝነዐቖ ዘክር።
19 ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብ፣ ህይወት መሳኺንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ።
20 እቲ ዘጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ ኣሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት።
21 እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስ፣ መስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ።
22 ዎ ኣምላኽ፣ ተንስእ፣ ነገርካ ግበር፣ ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር።
23 ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕ፣ ጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ጊዜ ይለዐል

 

1 ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነመስግነካ ኣሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተአምራትካ የዘንትውዎ።
2 ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብክዎ፣ ቅኑዕ ክፈርድ እየ።
3 ምድርን ኣብአ ዚነብሩ ዅሎምን መኸኹ። ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ።
4 ነቶም ደፋራት፣ ኣይትድፈሩ፣ ንረሲኣንውን፣ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፣ በልክዎም።
5 ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፣ ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ።
6 ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣
7 ኣምላኽ ደአ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል።
8 ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ ኣሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም።
9 ኣነ ግና ንዘለአለም እዚ ኸዘንቱ፣ ንአምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ፣
10 ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፣ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ።

1 ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፣ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።
2 ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፣ ማሕደሪኡውን ኣብ ጽዮን እዩ።
3 ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላጻ፣ ዋልታን ሰይፍን መሳርያ ውግእን ሰባበረ።
4ንስኻ ኻብ ኣኽራን መንጠልቲ ዚበልጽ ብሩህን ክቡርን ኢኻ።
5 እቶም ተባዓት ልቢ ተገፉ፣ ድቃሶም ደቀሱ፣ ኵላቶም ጀጋኑውን ኣእዳዎም ኣይረኸቡን።
6 ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፣ ብተግሳጽካ ሰረገላታትን ኣፍራስን ድቃስ ከቢድዎም ዛሕ በሉ።
7 ንስኻ ግና እተፈራህካ ኢኻ፣ ክትቍጣዕ ከሎኻኸ፣ ኣብ ቅድሜኻ መን ደው ኪብል ይኽእል፧
8-9 ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፣ ኣምላኽ ንዅሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፣ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት።
10 ኵራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ፣ ትርፊ ዅራ ኽትዕጠቕ ኢኻ።
11 ንእግዚኣብሄር፣ ንአምላኽኩም፣ ተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ። ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኵሉኹም፣ ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ።
12 ንሱ ንመንፈስ መሳፍንቲ ኺዐጽዶ እዩ፣ ንነገስታት ምድሪ ዜፍርህ እዩ።

1 ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፣ ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል ኣሎኹ፣ ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ።
2 ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ብለይቲ ኢደይ ተዘርግሔት ኣይሰልከየትን ከኣ፣ ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየት።
3 ንአምላኽ እዝክሮን እቚዝምን ኣሎኹ፣ ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን አሎ።
4 ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፣ እሽገር ምዝራብውን እስእን ኣሎኹ።
5 ናይ ቀደም መዓልትታት፣ ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር ኣሎኹ።
6 ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፣ ምስ ልበይ ኤስተንትን ኣሎኹ፣ መንፈሰይውን ይምርምር ኣሎ፣
7 እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለምዶ ይድርቢ፧ ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ፧
8 ጸጋኡስ ንዘለአለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡ፧ ተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተሪፉ እዩ፧
9 ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ርሲዕዎ፧ ንምሕረቱስ ብዅራዶ ዐጽይዎ እዩ፧
10 ኣነ በልኩ፣ እዚ እዩ ድኻመይ፣ ዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር ኣሎኹ።
11 ናይ ቀደም ተአምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፣
12 ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ፣ ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።
13 ዎ ኣምላኽ፣ መገድኻ ብቕድስና እዩ፣ ከም ኣምላኽ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን ኣሎ፧
14 ተአምራት እትገብር ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮ።
15 ንህዝብኻ፣ ንውሉድ ያእቆብን ዮሴፍን፣ ብቕልጽምካ ተበጆኻዮ።
16 ዎ ኣምላኽ፣ ማያት ረአዩኻ፣ ማያት ረኣዩኻ፣ ተሸበሩውን፣ እወ፣ መዓሙቚ ተናወጸ።
17 ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰ፣ ጠፈር ድምጹ ኣስምዔ፣ ፍላጻታትካውን ተወረወረ።
18 ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፣ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃ፣ ምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን።
19 ጐደናኻ ኣብ ባሕሪ፣ መገድታትካ ኣብ ዓበይቲ ማያት እዩ፣ ኣሰርካውን ኣይተፈልጠን።
20 ንህዝብኻ ኸም መጓሰ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ጌርካ መራሕካዮ።

1 ዎ ህዝበይ፣ ንሕገይ ጽን በሎ፣ ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን።
2 ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፣ ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር ኣሎኹ፣
3 እቲ ዝሰምዕናዮን ዝፈለጥናዮን፣ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፣
4 ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደአ ንነግሮ።
5-8 እቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፣ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፣ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፣ ነቦታትና ኣዘዞም።
9 ውሉድ ኤፍሬም፣ ተዋጋእትን ወርወርትን፣ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመልሱ።
10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፣ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፣
11 ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ።
12 ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ፣ ኣብ መሮር ጾዓን፣ ተአምራት ገበረ።
13 ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፣ ንማይ ከም ኵምሪ ኣቘሞ።
14 መዓልቲ ብደበና፣ ምሉእ ለይቲውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።
15 ኣብ በረኻ ነኻውሕ ጨደዶ፣ ከም ካብ ዓሚቚ ባሕሪውን ብዙሕ ኣስተዮም።
16 ዓይኒ ማያት ካብ ከውሒ ኣውጽኤ፣ ንማይ ድማ ከም ውሒዝ ኣውሐዞ።
17 ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፣ እናቐጸሉ በደልዎ።
18 ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፣ ብልቦም ንአምላኽ ፈተንዎ።
19-20 ንሳቶም፣ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን መአዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ፧ እንሆ፣ ማይ ክሳዕ ዚፍልፍል፣ ውሒዝ ክሳዕ ዚውሕዝሲ፣ ንኸውሒ ወቕዖ፣ ግናኸ እንጌራውን ኪህብ፣ ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኺምህዝዶ ይከአሎ እዩ፧ ኢሎም ንአምላኽ ሐመይዎ።
21-22 ብአምላኽ ኣይአመኑን፣ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፣ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፣ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ።
23 ግናኸ ንሱስ ኣብ ላዕሊ ንደበና ኣዘዞ፣ መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፊተ፣
24 ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና አዝነመሎም፣ እኽሊ ሰማይውን ሀቦም።
25 ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ፣ ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም።
26 ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዐለ፣ ብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽኤ።
27 ስጋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ሓመድ፣ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑጻ ባሕሪ አዝነመሎም።
28 ኣብ ማእከል ሰፈሮም፣ ኣብ ዙርያ ድንኳኖም ኣውረደሎም።
29 በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፣ ትምኒቶምውን ሀቦም።
30 ትምኒቶም ገና ኸይወድኡ፣ ብልዖምውን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፣
31 መዓት ኣምላኽ ወረዶም፣ ካብ ስቡሓቶም ከኣ ቀተለ፣ ነጕባዝ እስራኤልውን ኣውደቖም።
32 ምስናይዚ እዚ ዅሉ መሊሶም በደሉ፣ ብተኣምራቱ ኸኣ ኣይአመኑን።
33 ስለዚ ንመዓልትታቶም ብኸንቱ፣ ንዓመታቶም ከኣ ብስምባድ ኣሕለፈን።
34 ኪቐትሎም ከሎ፣ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፣ ተመሊሶም ከኣ፣ ኣንጊሆም ንአምላኽ ደለይዎ።
35 ኣምላኽሲ ኸውሖም፣ እቲ ልዑል ኣምላኽውን ተበጃዊኦም ምዃኑ ዘከሩ።
36 ብአፎም ኣቃባጠሩሉ፣ ብመልሓሶም ድማ ሐሰዉሉ።
37 ልቦም ናብኡ ኣይቀንዔን፣ ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን።
38 ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፣ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፣ ኣየጥፍኦምን ከኣ፣ ንዅራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፣ ንዅሉ ቚጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን።
39 ስጋ ምዃኖም፣ ሐሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ።
40 ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፣ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሀይዎ።
41 ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፣ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።
42-43 ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፣ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፣ ተአምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፣ ኣይዘከሩን።
44 ምስታይ ምእንቲ ኺስእንዎስ፣ ንርባታቶምን ንፈሳሲ ማዮምን ናብ ደም ለወጦ።
45 ዚበልዕዎም ተናኸስቲ ጽንጽያን፣ ዜጥፍእኦም ቊርዖባትን ሰደደሎም።
46 ብቋልያኦም ንቓቔጣ፣ ፍረ ዕዮኦም ከኣ ነንበጣ ሀቦ።
47 ንወይኖም ብበረድ፣ ንዳዕሮኦም ከኣ በስሓይታ ኣጥፍኦ።
48 ከብቶም ንበረድ፣ መጓሲኦም ከኣ ንመባርቕ ኣሕሊፉ ሃበን።
49 ሓዊ ዅራኡ፣ ቊጥዓን ሓርቖትን ጸበባን፣ ጭፍራ መላእኽቲ እከይ፣ ኣውደቐሎም።
50 ንዅራኡ መገዲ ጸረገሉ፣ ህይወቶም ንፌራ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሐፋን።
51 ንብዘሎ በዅሪ ግብጺ ኸኣ፣ ነቶም በዅሪ ሓይሊ፣ ኣብ ድንኳናት ካም ወቕዖም።
52 ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፣ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም።
53 ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖም፣ ንጸላእቶም ግና ባሕሪ ደፊኖም።
54 ናብ ወሰን መቕደሱ፣ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኸረን ኣብጽሖም።
55 ነህዛብ ከኣ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፣ ርስቲ ኪዀኖም ብዕጻ ኸፈሎም፣ ንነገዳት እስራኤል ኣብ ድንኳናቶም ኣሕደሮም።
56 ግናኸ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ፈተንዎን ተጻረርዎን፣ ምስክራቱውን ኣይሐለዉን።
57 ንድሕሪት ተመልሱ፣ ከም ኣቦታቶምውን ጠለሙ፣ ከም ጠላሚ ቐስቲ ተለውዩ።
58 ብዀረቢቶም ከኣ አዀረይዎ፣ ብተወቕረ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
59 ኣምላኽ ድማ ነዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፣ ንእስራኤልውን ኣዝዩ ነዐቖም።
60 ንማሕደሩ ኣብ ሲሎ፣ ነቲ ኣብ ማእከል ሰብ ተኺልዎ ዝነበረ ድንኳን ሐደጎ።
61 ሓይሉ ንምርኮ፣ ክብሩውን ናብ ኢድ ተጻራሪ ሀበ።
62 ንህዝቡ ድማ ኣደዳ ሰይፊ ገበሮ፣ ንርስቱውን ተቘጥዖ።
63 ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፣ ደናግሎም ከኣ ጓይላ መርዓ ኣይረኸባን።
64 ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፣ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።
65 ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።
66 ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም።
67 ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፣ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሐረዮን፣
68 ንነገድ ይሁዳ፣ ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ።
69 ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፣ ከምታ ንዘለአለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፣ ሀነጻ።
70 ንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፣ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ።
71 ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኺሕሉስ፣ ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ።
72 ብቕንዕና ልቡ ጓሰዮም፣ በእምሮ ኣእዳዉውን መርሖም።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ አህዛብ ናብ ርስትኻ አትዮም፣ ንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋ፣ ንየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።
2 ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፣ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሀብዎም።
3 ደሞም አብ ዙርያ የሩሳሌም ከም ማይ አፍሰስዎ፣ ቀባሪውን ኣይነበረን።
4 ንጐረባብትና ነውሮም፣ ነቶም አብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ ንመስሓቒኦምን ንመላገጺኦምን ኰንና።
5 ዎ እግዚአብሄር፣ አዘውትርካ እትዅሪ፣ ቅንኣትካ ኸም ሓዊ ዚነድድ ኽሳዕ መኣዝ እዩ፧
6-7 ንያእቆብ በሊዖምዎ፣ ንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፣ ቊትዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፣ ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዐዎ።
8 አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ፣ ምሕረትካ ትቃባበለና።
9 ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፣ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈና፣ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
10 ስለምንታይከ ኣህዛብ፣ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፣ ዚብሉ፧ እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና አብ ማእከል አህዛብ ይፈለጥ።
11 ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።
12 ዎ እግዚአብሄር፣ ንጐረባብትና እቲ ዝጸረፉኻ ጸርፊ ሾብዓተ ኢድ ጌርካ፣ ናብ ሕቚፎም ምለሰሎም።
13 ንሕና ግና፣ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሴኻን ዝዀንና፣ ንዘለአለም ከነመስግነካ፣ ንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ኸነውሪ ኢና።

 

1 ዎ ጓሳ እስራኤል፣ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፣ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።
2 አብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን ስልጣንካ አተንስእ፣ ንምድሓንናውን ንዓ።
3 ዎ ኣምላኽ፣ ምለሰና፣ ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።
4 ዎ እግዚአብሄር፣ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዅሪ፧
5 እንጌራ ንብዓት አብላዕካዮም፣ ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም።
6 ንጐረባብትና መካትዒኦም ትገብረና ኣሎኻ፣ ጸላእትናውን የላግጹልና ኣለዉ።
7 ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ምለሰና፣ ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።
8 ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፣ ኣህዛብ ሰጒጕካውን ተኸልካያ።
9 አብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፣ ሱር ሰደደት ምድሪውን መልኤት።
10 ኣኽራን ብጽላላ ተኸድኑ፣ ጨናፍራ ድማ ከም ጽሕድታት ኣምላኽ ነበሩ።
11 ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ውልዶታታ ኸኣ ክሳዕ እቲ ርባ ዘርግሔት።
12 ኵሎም ሐለፍቲ መገዲ ኪቕንጥብዋስ፣ ስለምንታይከ ሓጹራ ዘፍረስካ፧
13 ናይ ዱር መፍለስ ይፍልሳ፣ እንስሳ መሮርውን ይጓሰይዋ አለዉ።
14-15 ዎ አምላኽ ሰራዊት፣ ተመለስ፣ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ርኤ፣ እንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፣ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፣ ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም።
16 ብሓዊ ነዲዳ ተበትከት። ብተግሳጽ ገጽካ ይጠፍኡ ኣለዉ።
17 ኢድካ አብ ልዕሊ እቲ ናይ የማነይትኻ ሰብኣይ፣ አብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ወዲ ሰብ ትኹን።
18 ሽዑ ኻባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና፣ ህይወት ሀበና፣ ብስምካውን ክንምህለል ኢና።
19 ዎ እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ምለሰና፣ ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።

 

1 ንኣምላኽ፣ ነቲ ሓይልና፣ እልል በሉሉ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ።
2 መዝሙር አልዕሉ፣ ከበሮን ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ።
3-4 እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፣ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፣ ብሰርቂ ወርሒ፣ ብምልኣት ወርሒ፣ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።
5 ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፣ አብ ዮሴፍ ምስክር ገይሩ አቘሞ። ዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ አሎኹ፣
6 ንመንኵቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሐቕክዎ፣ ኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፋ።
7 ብጸበባ አእዌኻ፣ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፣ አብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፣ ኣብ ማይ መሪባ ተዐዘብኩኻ።
8 ዎ ህዝበይ፣ ክምስክረልካስ ስማዕ፣ ዎ እስራኤል፣ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ።
9 ካልእ ኣምላኽ አብ ማእከል ኣይኹን፣ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ።
10 ኣነ እግዚአብሄር፣ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፣ አፍካ ሃህ አብል፣ ኣነውን ክመልኦ እየ።
11 ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን።
12 ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱስ፣ አብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም።
13 አየ፣ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፣ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ።
14 ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፣ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ።
15 ንእግዚአብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፣ ዘመኖም ከኣ ንዘለአለም ምዀነ።
16 ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።

1 ኣምላኽ አብ ማሕበር ኣማልኽቲ ደው ይብል፣ አብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ ኣሎ።
2 ክሳዕ መአዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ፧ ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ፧
3 ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፣ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።
4 ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።
5 ኣይፈልጡን፣ ኣየስተውዕሉን፣ አብ ጸልማት ይመላለሱ፣ ብዘሎ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ።
6-7 ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፣ ኵላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፣ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፣ በልኩ።
8 ዎ ኣምላኽ፣ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስሲ፣ ተንስእ ንምድሪ ፍረዳ።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ስቕ ኣይትበል፣ ኣታ ኣምላኽ፣ ዓባስ ኣይትኹን፣ ዝግ አይትበል።
2 እንሆ፣ ጸላእትኻ የውክዑ፣ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ፣
3 ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፣ ነቶም እትጋርዶም ድማ አብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ።
4 ህዝቢ ኸይኰኑ፣ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፣ ንዑ ነጽንቶም፣ ይብሉ አለዉ።
5 ሐቢሮም፣ ተማኺሮም፣ ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፣
6 ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፣ ሞኣብን ኣጋራውያንን፣
7 ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፣ ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፣
8 ኣሶር ድማ ሐቢሮም፣ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም።
9 ከምቲ ንምድያን፣ ንሲሰራ፣ ንያቢን አብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።
10 ንሳቶም አብ ኤንዶር ጠፍኡ፣ ንምድሪ ኸኣ ድዅዒ ዀንዋ።
11-12 ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፣ ኢሎም አለዉ እሞ፣ ንኹቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፣ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም።
13 ኣምላኸይ፣ ከም ህቦብላ፣ ከም ሓሰር አብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም።
14 ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፣ ሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፣
15 ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፣ ብዘራጊቶኻ ድማ አሸብሮም።
16 ዎ እግዚአብሄር፣ ስምካ ኺደልዩስ፣ ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ።
17 ንዘለአለም ይነውሩን ይሸበሩን፣ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።
18 ንስኻ፡ ጐይታ ዝስምካ፡ በይንኻ አብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።

1 ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን።
2 ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚአብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።
3 ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፣ ለዃዅቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፣ መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ንጉሰይን ኣምላኸይን።
4 አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ።
5 ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።
6 ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ።
7 ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።
8 ዎ እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ጸሎተይ ስማዕ። ዎ አምላኽ ያእቆብ፣ ጽን በል
9 ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፣ ርኤ፣ ገጽ ቅቡእካውን ጠምት።
10 ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ አብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ አብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ አብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።
11 እግዚአብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚአብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።
12 ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።

1 ዎ እግዚአብሄር፣ ንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፣ ንቤት ያእቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም።
2 ኣበሳ ህዝብኻ ሐደግካ፣ ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ።
3 ንዅሉ መዓትካ ኣርሐቕካዮ፣ ካብ ንደት ቊጥዓኻ ተመለስካ።
4 ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ምለሰና፣ ንዅራኻውን ካባና አትርፎ።
5 ንዘለአለምዶ ኽትኵርየልና፧ ኵራኻስ ንውሉድ ወለዶዶ ኸተንውሕ ኢኻ፧
6 ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፣ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧
7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጸጋኻ ኣርእየና፣ ምድሓንካውን ሀበና።
8 ናብ ዕሽነት ደአ ኣይመለሱ እምበር፣ ንህዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፣ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ።
9 ብሓቂ አብ ሃገርና ኽብሪ ኺሐድርሲ፣ ምድሓኑ ነቶም ዚፈርህዎ ቐረባኦም እዩ።
10 ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ።
11 ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፣ ጸድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ፣ ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ።
13 ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፣ ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ እዝንኻ ኣድንን፣ ምለሰለይውን።
2 ሄር እየ እሞ፣ ንነፍሰይ ሐልዋ፣ ኣታ ኣምላኸየ፣ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ።
3 ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ እሞ፣ ጐይታየ ምሐረኒ።
4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፣ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ።
5 ዎ እግዚኣብሄር፣ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፣ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፣
6 ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7 ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን።
9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኵሎም መጺኦም አብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፣ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።
10 ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፣ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።
11 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣ ንልበይ ኣዳልዎ።
12-13 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፣ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሲኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፣ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፣ ስምካውን ንዘለአለም ከኽብር እየ።
14 ዎ ኣምላኽ፣ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፣ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፣ ንኣኻውን አብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።
15 ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፣ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ።
16 ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፣ ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፣ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ።
17 ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፣ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፣ ምልክት ደሓን ግበረለይ።

1 መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳት ኣኽራን እያ፣
2 እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ማሕደራት ያእቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ።
3 ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፣ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ።
4 ካብተን ዚፈልጣኒ፣ ረሃብን ባቢሎንን እሰሚ ኣሎኹ፣ እንሆ፣ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፣ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም።
5 ብዛዕባ ጽዮን ድማ፣ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፣ ኪበሀል እዩ፣ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ።
6 እግዚኣብሄር ነህዛብ ኪጽሕፎም ከሎ፣ እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፣ ኢሉ ኪቘጽር እዩ።
7 እናደረፉን እናሳዕስዑን፣ ኵለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፣ ኪብሉ እዮም።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን ኤእዊ ኣሎኹ፣
2 ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን።
3 ነፍሰይ መከራ ጸጊባ እያ እሞ፣ ህይወተይ ናብ ሲኦል ቀሪባ ኣላ።
4 ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተቘጺረ፣ ሓይሊ ኸም ዜብሉ ሰብኣይ እየ፣
5 ከምቶም ድሕርዚ ዘይትዝክሮም፣ ካብ ኢድካ እተቘርጹ፣ ኣብ ጕድጓድውን ዚድቅሱ ቕቱላት ኣብ ማእከል ምውታት ተደርቤኹ።
6 ኣብ ዓሚቚ ጕድጓድ፣ ኣብ ጸልማት ኣብ መዓሙቕ ኣንበርካኒ፣
7 ቚጥዓኻ ይኸብደኒ ኣሎ፣ ብዅሉ ማዕበላትካ ጸቒጥካኒ።
8 ንመሓዙተይ ካባይ ኣርሒቕካ፣ ብኣታቶም ፍንፉን ገበርካኒ፣ ተዐጽየ፣ ምውጻእውን ስኢነ ኣሎኹ።
9 ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ አሎኹ።
10 ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧ ዝሞቱስ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም፧
11 አብ መቓብርከ ሳህልኻ፣ ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ፧
12 ተኣምራትካዶ አብ ጸልማት፣ ጽድቅኻውን አብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ እዩ፧
13 ጐይታየ፣ ኣነ ግና ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ጸሎተይ ድማ ኣንጊሁ ይቃባበለካ ኣሎ።
14 ጐይታየ፣ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፧ ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ ኣሎኻ፧
15 ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ፣ ፍርሃትካ ተሰኪመስ፣ ተስፋ እቘርጽ ኣሎኹ።
16 ሓዊ ቚጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉ፣ ስምባድካ ኣጥፊኡኒ።
17 ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒ፣ ሐቢሮም ኣብ ዙርያይ ኣለዉ።
18 ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሐቕካዮም፣ መሓዛይ ጸልማት እዩ።

 

1 ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ክዝምር፣ ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ።
2 ጸጋ ንዘለአለም ኪህነጽ፣ እምነትካ አብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፣ በልኩ እሞ፣
3 ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፣ ንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ፣
4 ዘርእኻ ንዘለአለም ከጽንዕ፣ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ።
5 ጐይታየ፣ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፣ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም።
6 አብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዚመዓራረዮስ መን እዩ፧ ካብ ውሉድ ስልጡናትከ መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዚመስሎ፧
7 ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፣ ካብቶም አብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ።
8 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።
9 ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፣ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ።
10 ከም እተወግኤ ጌርካ፣ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮ፣ ብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ።
11 ሰማያት ናትካ እዩ፣ ምድሪውን ናትካ እያ፣ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ።
12 ንሰሜንን ደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮ፣ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ።
13 ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፣ ኢድካ ብርትዕቲ፣ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ።
14 መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፣ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ አለዋ።
15 እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ።
16 ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ፣ ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ።
17 ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ።
18 ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፣ ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
19 በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቅዱሳንካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፣ ረዲኤት አብ ልዕሊ ጅግና አንቢረ፣ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ።
20 ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፣ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ፣
21 ኢደይ ኵሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፣ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ።
22 ጸላኢ ኣይኪወድቆን፣ ዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ።
23 ንጸላእቱ ድማ አብ ቅድሚኡ ኽቕጥቅጦም፣ ነቶም ዚጸልእዎውን ክወቕዖም እየ።
24 እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፣ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ።
25 ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፣ የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ።
26 ንሱ፣ ኣቦይ፣ ኣምላኸይ፣ ከውሒ ምድሓነይ ንስኻ ኢኻ፣ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ።
27 ኣነውን በዅሪ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ።
28 ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፣ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።
29 ዘርኡ ድማ ንዘለአለም፣ ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ።
30 ደቁ ሕገይ እንተ ሐደጉ፣ ከም ቅንዕናይ እንተ ዘይተመላለሱ፣
31 ስርዓተይ እንተ ኣፍረሱ፣ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሐለዉ፣
32 ሽዑ ንኣበሳኦም ብሸቦጥ፣ ንበደሎምውን ብመውቃዕቲ ኸረኻኽበሎም እየ።
33 ጸጋይ ግና ኣየግድፎን፣ እምነተይውን ኣይጠልሞን።
34 ኪዳነይ ኣየፍርስን፣ ከናፍረይ እተዛረቦ ድማ ኣይልውጥን።
35 ሓንቲ ነገር ብቕድስናይ ምሒለ እየ፣ ንዳዊት ኣይሕሱን፣
36 ዘርኡ ንዘለአለም፣ ዝፋኑውን ከም ጸሓይ አብ ቅድመይ ኪነብር እዩ።
37 ከም ወርሒ ንዘለአለም ይቐውም፣ አብ ደበና ዘሎ ምስክር ከኣ እሙን እዩ።
38 ንስኻ ግና ደርቢኻን ንዒቕካን፣ ንቕቡእካ ተቘጣዕካዮ።
39 ኪዳን ባርያኻ ኣፍሪስካ፣ ንዘውዱ አብ ምድሪ አርከስካዮ።
40 ብዘሎ መካበብያኡ ኣፍረስካ፣ ዕርድታቱ ኣዕኖኻ።
41 ኵሎም ሐለፍቲ መገዲ በዝቢዞምዎ፣ ንጐረባብቱ መላገጺኦም ኰይኑ።
42 ንየማነይቲ እቶም መጻርርቱ ልዕል ኣቢልካያ፣ ንዅሎም ጸላእቱ አሐጕስካዮም።
43 እወ፣ ንስሕለት ሰይፉ መለስካዮ፣ አብ ውግእውን ኣየጽናዕካዮን።
44 ንነጸብራቑ አጥፊእካዮ፣ ንዝፋኑውን ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ።
45 መዓልትታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ፣ ብነውሪ ኣጐልቢብካዮ ኣሎኻ።
46 ዎ እግዚኣብሄር፣ ፈጺምካ እትኽወል፣ ነድርኻስ ከም ሓዊ ዚነድድ ክሳዕ መኣዝ እዩ፧
47 ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምዃና፣ ኵሎም ደቂ ሰብ ንኸንቱነት ከም ዝፈጠርካዮም ዘክር።
48 ሞት ከይረአየ ብህይወት ዚነብር፣ ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዜናግፍ ሰብ መን እዩ፧
49 ጐይታየ፣ እቲ ብእምነትካ ንዳዊት ዝመሐልካሉ፣ ናይ ቀደም ጸጋኻ ኣበይ ኣሎ፧
50 ጐይታየ፣ ንጸርፊ ባሮትካ፣ ነቲ ኻብ ኵሎም ሓያላት ኣህዛብ ኣብ ልበይ ዝጾሮ ዘሎኹ ዘክር።
51 ጐይታየ፣ ጸላእትኻ ዚጸርፍዎ ጸርፊ፣ ነቲ ንኣሰር ቅቡእካ ዚጸርፍዎ ዘለዉ ዘክር።
52 እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን።

 

1 ጐይታየ፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና።
2 ኣኽራን ከይተወልደ፣ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ኣምላኽ ኢኻ።
3 ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ተመለሱ፣ እናበልካ፣ ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ ኣሎኻ።
4 ሽሕ ዓመት አብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፣
5 ከም ብውሒዝ ትገፎም፣ ከም ትኽስታ እዮም፣ ከምቲ ብጊሓት ዚልምልም ሳዕሪ፣
6 ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፣ ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ።
7 ብዅራኻ ጠፊእና ኢና እሞ፣ ብቚጥዓኻውን ሰምቢድና።
8 ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ፣ ንሕቡእ ሓጢኣትናውን አብ ብርሃን ገጽካ ተቚሞ ኣሎኻ።
9 ብዘሎ መዓልትታትና ብቚጥዓኻ ይሐልፍ፣ ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን ኣሎና እሞ፣
10 መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ኸአ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሐልፍ፣ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።
11 ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺፈርሃካ ኢሉስ፣ ንሓይሊ ኵራኻን ንቚጥዓኻን ዚሐስብከ መን እዩ፧
12 ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና።
13 ጐይታይ፣ ተመለስ፣ ክሳዕ መአዝ፧ ንባሮትካ ምሐሮም።
14 ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና።
15 ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትን፣ ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን አሐጕሰና።
16 ግብርታትካ ንባሮትካ፣ ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ።
17 ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና አብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፣ እወ፣ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።

 

1 አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ አብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር።
2 ንእግዚአብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ ኣሎኹ።
3 ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣
4 ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ አብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።
5 ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣
6 ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ።
7 ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ አብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ።
8 በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ።
9 ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣
10 እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ።
11 አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣
12 እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ አብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።
13 ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።
14 ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ።
15 ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ።
16 ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነውይን ከርእዮ እየ።

1-3 ኣታ ልዑል፣ ንግሆ ሳህልኻ፣ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፣ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፣ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።
4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፣ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።
5 ዎ ጐይታይ፣ ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፣ ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ።
6 ዳንደ ኣይፈልጦን፣ ዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ።
7 ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ፣ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።
8 ጐይታየ፣ ንስኻ ግና ንዘለአለም ልዑል ኢኻ።
9 ጐይታየ፣ እንሆ ጸላእትኻ፣ እነዉ ጸላእትኻ ይጠፍኡ ኣለዉ እሞ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ኪብተኑ እዮም።
10 ግናኸ ንቐርነይ ከም ናይ ጎባይ ኣልዐልካዮ፣ ብሓድሽ ዘይቲ ተቐባእኩ።
11 ዓይነይ ድማ ነቶም ተጻረርተይ ባህ ኢልዋ ትምልከቶም፣ ኣእዛነይውን ብናይቶም ዚትንስኡኒ ኽፉኣት ተሐጒሰን ይሰምዓ።
12 ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ።
13 እቶም አብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ አብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።
14-15 እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።

1 እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ግርማ ለቢሱ፣ እግዚኣብሄር ለቢሱ፣ ሓይሊ ተዐጢቑ ኣሎ፣ ዓለም ከይትናወጽሲ፣ ኣጽኒዕዋ አሎ።
2 ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዘለአለም ኢኻ።
3 ጐይታየ፣ ወሓይዝ ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ።
4 ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፣ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን።
5 ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፣ ጐይታየ፣ ንቤትካስ ንዘለአለም ቅድስና ይግባእ።

1 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፣ ኣታ ኣምላኽ ሕነ፣ ኣንጸባርቕ።
2 ኣታ ፈራድ ምድሪ፣ ተንስእ፣ ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም።
3 ክሳዕ መአዝ እቶም ረሲኣን፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መአዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም፧
4 ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ ኣለዉ።
5 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎ፣ ንርስትኻውን የጨንቕዎ ኣለዉ።
6 ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፣ ንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፣
7 እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፣ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፣ ይብሉ ኣለዉ።
8 ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፣ ኣስተውዕሉ፣ ኣቱም ዓያሱ፣ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ፧
9 እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ፧ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ እዩ፧
10 ነህዛብ ዚቐጽዕ፣ ፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ፧
11 እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።
12-13 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኵዐት፣ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፣ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ።
14 እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፣ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ።
15 ፍርዲ አብ ጽድቂ ኺምለስ እዩ እሞ፣ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ኺስዕብዎ እዮም።
16 አብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስአለይ፧ አብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ፧
17 እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፣ ነፍሰይ አብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ።
18 ጐይታየ፣ እግረይ አንደልሀጸ ምስ በልኩ፣ ጸጋኻ ደገፈኒ።
19 ጓሂ ልበይ አብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፣ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
20 ከም ሕጊ ኢና፣ እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት ኣለዎ እዩ፧
21 ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፣ ንንጹህ ደም ድማ ይዅንንዎ ኣለዉ።
22 እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፣ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።
23 ዓገቦም አብ ርእሶም ይመልስ፣ ብእከዮም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኼጥፍኦም እዩ።

 

1 ንዑ፣ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምር፣ ንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣
2 ብምስጋና አብ ቅድሚኡ ንብጻሕ፣ ብመዝሙር እልል ንበለሉ፣
3 እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፣ አብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፣
4 መዓሙቚ ምድሪ አብ ኢዱ፣ ምብራኽ አኽራን ከኣ ናቱ እዩ።
5 ባሕሪ ናቱ እዩ፣ ንሱ ፈጠሮ፣ ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳዉ ገበራኦ።
6 ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ፈጣሪና፣ ንንበርከኽ።
7 ንሱ ኣምላኽና እዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡
8-9 ከም አብ መሪባ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ አብ በረኻ፣ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፣ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፣ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፣ ልብኹም ኣይተትርሩ።
10 በቲ ወለዶ እቲ አርብዓ ዓመት ተመነወኒ፣ መገደይ ዘይፈለጡ፣ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፣ በልኩ።
11 ስለዚ፣ አብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም፣ ኢለ ብዅራይ መሐልኩ።

1 ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ።
2 ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፣ ንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩ።
3 ክብሩ አብ ማእከል አህዛብ፣ ተአምራቱ አብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ።
4 እግዚኣብሄር ዓብዪ፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፣ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።
5 ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
6 ግርማን ክብረትን አብ ቅድሚኡ፣ ሓይልን ጽባቐን አብ መቕደሱ እዩ።
7 አቱም ዓሌታት አህዛብ፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ።
8 ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ፣ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ አጸዱ እተዉ።
9 ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ አብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ።
10 አብ ማእከል አህዛብ፣ እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ ኣላ፣ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፣ ኢልኩም ንገሩ።
11 ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ።
12-13 ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም አእዋም ዱር አብ ቅድሚ እግዚአብሄር እልል ኪብሉ እዮም።

1 እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ምድሪ ትተሐጐስ፣ እቶም ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበሎም።
2 ደበናን ጸልማትን ይኸብዎ፣ ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ።
3 ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፣ ንጸላእቱ አብ ዙርያኡ የንድዶም።
4 መባርቑ ንዓለም አብርሄ፣ ምድሪ ርእያቶ አንቀጥቀጠት።
5 አኽራን አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ አብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ።
6 ሰማያት ንጽድቁ አውረዩ፣ ኵሎም አህዛብ ድማ ክብሩ ረአዩ።
7 ንምስልታት ዚሰግዱን ብጣኦታት ዚምክሑን ኵሎም ይሕፈሩ። ኵሉኹም አማልኽቲ፣ አብ ቅድሚኡ ፍግም በሉ።
8-9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ አብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ አብ ልዕሊ ዅሎም አማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፣ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።
10 ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፣ እከይ ጽልኡ፣ ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም።
11 ብርሃን ንጻድቃን፣ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።
12 ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ንቕዱስ ስሙውን አመስግንዎ።

1 እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፣ የማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
2 እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ።
3 ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።
4 ኣቲ ምድሪ ዅልኺ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን አመስግኑን።
5 ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፣ እወ፣ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ።
6 አብ ቅድሚ ንጉስ፣ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።
7 ባሕርን ምልኣቱን፣ ዓለምን አብኣ ዘሎን የድህዩ።
8-9 ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፣ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፣ ኣኽራን ሐቢሮም አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ።

1 እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ኣህዛብ ይርዐዱ፣ አብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ፣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ።
2 እግዚኣብሄር አብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ አብ ኵሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ።
3 ቅዱስ እዩ እሞ፣ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ።
4 ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፣ ንስኻ ቕንዕና አጽናዕካ፣ ፍርድን ጽድቅን አብ ቤት ያእቆብ ገበርካ።
5 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ ቅዱስ እዩ እሞ፣ አብ ድኳ እግሩ ስገዱ።
6 ሙሴን ኣሮንን አብ ማእከል ካህናቱ፣ ሳሙኤል ከኣ አብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፣ ንሱውን መለሰሎም።
7 ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፣ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ።
8 እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፣ ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፣ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም።
9 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፣ አብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ።

1 ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ።
2 ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ አብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።
3 እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።
4 አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ አብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ።
5 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

 

1 ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ።
2 ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣሎኹ፣ መአዝ ክትመጸኒ ኢኻ፣- አብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ።
3 አብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፣ ንግብሪ ብልያል እጸልኦ ኣሎኹ፣ ኣይኪጠብቀንን እዩ።
4 ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሓቕ፣ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን።
5 ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፣ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ።
6 ምሳይ ኪነብሩስ፣ ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፣ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ።
7 ተንኰል ዚገብር አብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፣ ሓሶት ዚዛረብ አብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።
8 ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፣ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።

1 ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ አውያተይውን ኣባኻ ይብጻሕ።
2 ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይ፣ እዝንኻ ኣድንነለይ፣ በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቐልጢፍካ ምለሰለይ።
3 መዓልትታተይ ከም ትኪ ይበና ኣለዋ እሞ፣ አዕጽምተይ ከኣ ከም እያድ ይነድድ ኣሎ።
4 ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፣ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን።
5 ካብ ድምጺ ገዓረይ እተላዕለ አዕጽምተይ አብ ስጋይ ተጣበቐ።
6 ኣባ ጉምባሕ በረኻ መሰልኩ፣ ከም ጉንጓ ዑናታት ኰንኩ።
7 ተጋህኩ፣ ከምቲ አብ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ።
8 ምሉእ መዓልቲ ጸላእተይ የላግጹለይ፣ ተጻረርተይ ብስመይ ይረግሙ ኣለዉ።
9 ንሓመዅስቲ ኸም እንጌራ እበልዖ ኣሎኹ እሞ፣ ንመስተይ ምስ ንብዓት እሕውሶ ኣሎኹ።
10 ብምኽንያት ኵራኻን ቊጥዓኻን አልዒልካ ደርቢኻኒ ኢኻ እሞ፣
11 መዓልትታተይ ከም ዚነውሕ ጽላሎት እየን፣ ኣነውን ከም ሳዕሪ እነቅጽ ኣሎኹ።
12 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ንዘለአለም ትነብር፣ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
13-14 ጊዜ ምሕረታ እዩ፣ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፣ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፣ ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፣ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።
15 ኣህዛብ ከኣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርሁ እዮም።
16 እግዚኣብሄር ንጽዮን ኪሀንጻ፣ ብኽብሩ ኺግለጽ እዩ።
17 አብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ፣ ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ እሞ፣
18 እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ኺጽሐፍ፣ እቲ ዚፍጠር ህዝቢውን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኖ እዩ።
19-22 ኵሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር አብ የሩሳሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፣ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስ ተኣከቡ፣ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረአየ፣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።
23 ንሓይለይ አብ መገዲ ኣድከሞ፣ ንመዓልትታተይ ኣሕጸረን።
24 ኣምላኸየ፣ አብ ፍርቂ መዓልትታተይ አይትውሰደኒ፣ በልኩ። ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
25 ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፣ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
26 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ንስኻ ግና ትነብር፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፣ ኪልወጡውን እዮም።
27 ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን።
28 ውሉድ ባሮትካ ኺነብሩ ዘርኦም ከኣ አብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ።

 

1 ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ አብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
2 ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣
3 ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣
4 ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣
5 ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።
6 እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ።
7 መገድታቱ ንሙሴ፣ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።
8 እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ።
9 ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ።
10 ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።
11 ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን።
12 ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ።
13 ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።
14 ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።
15 ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።
16 ንፋስ አብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።
17 ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር።
18 ጽድቁ ኸአ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፣ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
19 እግዚኣብሄር ንዝፋኑ አብ ሰማይ ኣቘመ፣ መንግስቱውን አብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ኣላ።
20 አቱም መላእኽቱ፣ ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፣ ንእግዚአብሄር ባርኽዎ።
21 ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፣ ንእግዚአብሄር ባርኽዎ።
22 ኵሉ ግብርታቱ አብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ፣ ንእግዚአብሄር ባርኺ።

 

1 ነፍሰይ፣ ንእግዚአብሄር ባርኺ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ፣ ግርማን ክብርን ለበስካ።
2 ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፣ ንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ፣
3 ንርሻንካ አብ ማያት ሀነጽካዮ፣ ንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ፣ አብ አኽናፍ ንፋስ ኴንካ ኸድካ።
4 ንንፋሳት ልኡኻትካ፣ ንሃልሃልታ ሓዊ አገልገልትኻ ገበርካዮም።
5 ንዘለአለም ከይትናወጽሲ፣ ንምድሪ አብ መሰረታ አጽንዓ።
6 ከም ብልብሲ ብመዓሙቚ አልበስካያ፣ ማያት አብ ልዕሊ አኽራን ቈሙ።
7 ብመግናሕትኻ ሀደሙ፣ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ።
8 አብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፣ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ።
9 ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስ፣ ዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም።
10 አብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ፣ አብ መንጎ አኽራን ይውሕዛ።
11 ንዅሉ እንስሳ መሮር የስትያኦ፣ ኣእዱግ በረኻ ይረውዩለን።
12 ኣዕዋፍ ሰማይ አብ ጥቓኤን ይነብራ፣ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ።
13 ነኽራን ካብ ርሻናትካ ተስትዮ፣ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ።
14-15 ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፣ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፣ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፣ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።
16 ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ።
17 ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ፣ ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን።
18 ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ፣ ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሔታት እዩ።
19 ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረ፣ ጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ።
20 ጸልማት ትገብር፣ ለይቲውን ይኸውን፣ ብእኡ ዅሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ።
21 ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፣ ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ።
22 ጸሓይ ትበርቕ፣ ይምለሱ፣ አብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ።
23 ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ።
24 ዎ እግዚኣብሄር፣ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፣ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፣ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ ኣላ።
25 እታ ዓባይን ገፋሕን ባሕሪ እዚኣ እያ፣ ቍጽሪ ዜብሎም ዓበይትን ናእሽቱን እንስሳ አብአ ይዋሳወሱ ኣለዉ።
26 አብኣ መራኽብ ይኸዳ፣ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት።
27 እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፣ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ።
28 ንስኻ ትህቦም፣ ይእክቡ። ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፣ ብጸጋውን ይጸግቡ አለዉ።
29 ንስኻ ገጽካ ትኽውል፣ ይስምብዱ፣ ትንፋሶም ተውጽእ፣ ይሞቱ፣ አብ መሬቶምውን ይምለሱ።
30 ትንፋስካ ትልእኽ፣ ይፍጠሩ፣ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ።
31 ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይንበር፣ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሐጐስ።
32 አብ ምድሪ ይጥምት፣ ንሳ ኸኣ ተንቀጥቅጥ፣ ነኽራን ይትንክዮም እሞ ይተኩ።
33 ብህይወተይ ከሎኹ፣ ንእግዚኣብሄር እዝምር፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን።
34 ቃላተይ ባህ የብሎ፣ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ።
35 ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡ፣ ረሲኣንውን ደጊም ኣይሀልዉ፣ ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዮ ሃሌሉያ።

 

1 ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፣ ስሙ ጸውዑ፣ ግብርታቱ አብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ።
2 ዘምሩሉ፣ ኣመስግንዎ፣ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ።
3 ብቅዱስ ስሙ ኽብሩ፣ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ።
4 እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ። አዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ።
5-6 ኣቱም ዘርኢ አብርሃም፣ እቲ ባርያኡ፣ ኣቱም ውሉድ ያእቆብ፣ ሕሩያቱ፣ ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ።
7 ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፣ ፍርዱ አብ ኵሉ ምድሪ እዩ።
8-9 ነቲ ምስ አብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑ፣ ንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፣ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለአለም ዘኪሩስ፣
10-11 ምድሪ ከነአን፣ ዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፣ ክህበካ እየ፣ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊ፣ ንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለአለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ።
12 ብቚጽሪ ሒደት፣ አዝዮም ሒደት፣ አብኣውን ስደተኛታት ከለዉ፣
13 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፣ ካብ መንግስቲውን ናብ ካልእ ህዝቢ ኺሐልፉ ኸለዉስ፣
14-15 ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፣ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፣ ነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፣ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም።
16 ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዔ፣ ኵሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ።
17 ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለአኸ፣ ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ።
18 ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፣ ነፍሱ አብ ሓጺን አተወት።
19 ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፣ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፣
20 ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ አውጽኦ።
21-22 ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺአስሮም፣ ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮም፣ ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኵሉ ጥሪቱን ገበሮ።
23 እስራኤል ናብ ግብጺ መጸ፣ ያእቆብውን አብ ሃገር ካም ሰፈረ።
24 ንህዝቡ ኸኣ አዝዩ አብዝሖ፣ ካብ ተጻረርቱውን አበርትዖ።
25 ንህዝቡ ኺጸልእዎ፣ ንባሮቱ ኺታናዀልዎምሲ፣ ልቦም ለወጦ።
26 ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለአኸ።
27 አብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፣ አብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ።
28 ጸልማት ለአኸ፣ አጸልመተ ኸኣ፣ ንቓላቱውን ኣይተጻረርዎን።
29 ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፣ ዓሳታቶም ከኣ ቐተለ።
30 ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዚአትዋ፣ ምድሮም ብቚርዖብ መልኤት።
31 ተዛረበ እሞ ጽንጽያታት፣ አብ ኵሉ ወሰኖም ከኣ ቃርማ መጹ።
32 አብ ክንዲ ዝናምሲ በረድ፣ ሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ አብ ሃገሮም ኣውረደ።
33 ወይኖምን በለሶምን ወቕዔ፣ ኣእዋም ዓዶም ድማ ሰባበረ።
34 ተዛረበ እሞ ኣንበጣ፣ ቊጽሪ ዜብሉ ኹብኩብታ መጸ።
35 ንዅሉ ብቋልያ ሃገሮም በልዖ፣ ንፍረ ምድሮም ከኣ በልዔ።
36 ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፣ ንበዅሪ ሓይሎም፣ ቀተለ።
37 ብወርቅን ብሩርን ኣውጽኦም፣ አብ ማእከል ዓሌቱ ኸኣ ድኹም ኣይነበረን።
38 ፍርሃት ወዲቕዎም ነበረ እሞ፣ ግብጺ ብምውጻኦም ተሐጐሰት።
39 ደበና ንመኸወልታ፣ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኼብርህ፣ ዘርግሔ።
40 ለመኑ እሞ ብርኒጎታት አምጽኤ፣ ብእንጌራ ሰማይውን አጽገቦም።
41 ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ፈልፈለ፣ ውሒዝ ብንቑጽ ቦታ ወሐዘ።
42 ነቲ ቅዱስ ቃሉን ንኣብርሃም ባርያኡን ዘኪሩ እዩ እሞ፣
43 ንህዝቡ ብሓጐስ፣ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም።
44-45 ትእዛዛቱ ኺገብሩ፣ ሕጉውን ኪሕልዉስ፣ ሃገር አህዛብ ሀቦም፣ ጻማ ኣህዛብውን ወረሱ። ሃሌሉያ።

 

1 ሃሌሉያ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱውን ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ።
2 ንግብርታት ሓይሊ እግዚኣብሄር ኪዛረቦ፣ ንብዘሎ ምስጋናኡስ ኪነግሮ መን ይኽእል፧
3 ፍርዲ ዚሕልዉ፣ ኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።
4-5 ጐይታየ፣ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፣ ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፣ ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽኸብርሲ፣ ብምድሓንካ ብጽሓኒ።
6 ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፣ በደልና፣ ግፍዒ ገበርና።
7 ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ አየስተውዐልዎን፣ ንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን፣ ኣብ ባሕሪ፣ ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ፣ ዐለዉ።
8 ንሱ ግና ስልጣኑ ምእንቲ ኼፍልጥሲ፣ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሐኖም።
9 ንባሕሪ ኤርትራ ገንሓ እሞ ነቐጸት፣ ከም ብበረኻ ድማ ብዓሚቚ መርሖም።
10 ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሐኖም፣ ካብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ተበጀዎም።
11 ንተጻረርቶም ከኣ ማያት ደፈኖም፣ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
12 ሽዑ ንቓላቱ አመኑ፣ ምስጋናኡ ዘመሩ።
13 ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፣ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን።
14 አብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፣ ኣብቲ ጽምዋ ንእግዚኣብሄር ፈተኑ።
15 ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሀቦም፣ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለአኸሎም።
16 ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፣ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስን፣ ቀንኡሎም።
17 ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሐጠቶ፣ ንወገን ኣቢራም ከኣ ደፈነቶ።
18 ሓዊ አብ ማእከል ወገኖም ነደደ፣ ሃልሃልታ ንረሲኣን ወሐጦም።
19 አብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፣ ንዝፈሰሰ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ።
20 ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።
21-22 አብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፣ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፣ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፣ መድሓኒኦም፣ ረስዕዎ።
23 ሽዑ ኼጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፣ ግናኸ ሙሴ፣ እቲ ሕሩዩ፣ ከየጥፍኦም ቊጥዓኡ ምእንቲ ኺመልስ፣ አብ ቅድሚ ገጹ አብ ማእከል ቈመ።
24 ነታ ፍትውቲ ሃገር ነዐቑ፣ ብቓሉውን ኣይአመኑን።
25 አብ ድንኳናቶም ኣጕረምረሙ፣ ንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን።
26-27 ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፣ አብ በረኻ ኼውድቖም፣ ንዘርኦም ከኣ አብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፣ አብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ።
28 ምስ በዓል ጴኦር ሐበሩ፣ መስዋእቲ ምውታት ከኣ በልዑ።
29 ብግብርታቶም ከኣ ኣዀረይዎ፣ መዓትውን ወረዶም።
30 ሽዑ ፊንሃስ ተንሲኡ ፍትሒ አውጽኤ፣ እቲ መዓት ድማ ዛረየ።
31 እዚ ኸኣ ንሓዋሩ፣ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ።
32 ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፣ ሙሴውን ብሰሮም ተጐድኤ።
33 ንመንፈሱ አንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፣ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።
34-35 ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፣ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም፣ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን።
36 ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፣ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም።
37 አወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም።
38 ንጹህ ደም፣ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፣ ኣፍሰሱ፣ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት።
39 በዚ ከምዚ ብተግባሮም ረኸሱ፣ ብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ።
40 ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር አብ ህዝቡ ነደደ፣ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ።
41 አብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፣ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም።
42 ጸላእቶም ከኣ ጠቕዕዎም፣ አብ ትሕቲ ኣእዳዎም ድማ ተዋረዱ።
43 ብዙሕ ጊዜ ኣናገፎም፣ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ዐለዉ፣ ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ።
44 ኣውያቶም ምስ ሰምዔ ኸኣ፣ ጸበባኦም ረአየ።
45 ንኺዳኑ ድማ ዘከረሎም፣ ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም።
46 ኣብ ቅድሚ ዅሎም ማረኽቶም ከኣ ሞገስ ሀቦም።
47 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፣ ንቅዱስ ስምካ ኽንውድሶ፣ ብምስጋናኻውን ክንምካሕሲ፣ ኣናግፈናን ካብ ማእከል ኣህዛብ ኣክበናን።
48 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ይባረኽ። ኵሉ ህዝቢውን ኣሜን ይበል። ሃሌሉያ።

 

1 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ።
2-3 እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፣ ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፣ ካብ ሃገራት፣ ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝአከቦም፣ ከምዚ ይበሉ።
4 አብ በረኻ፣ አብ ጽምዋ መገዲ ዀብለሉ፣ ዚነብሩላ ዓዲ ኣይረኸቡን።
5 ጠምዮም፣ ጸሚኦም፣ ነፍሶም ሰልከየት።
6 ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
7 ናብ ዚነብሩላ ዓዲ ኺበጽሑስ፣ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም።
8-9 ንጽምእቲ ነፍሲ አጽጊብዋ፣ ንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተአምራቱን የመስግንዎ።
10 ብመከራን ሓጺንን ተአሲሮም፣ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ።
11 ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎ፣ ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዐቕዎ፣
12 ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፣ ወደቑ፣ ዚረድእውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።
13 ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
14 ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፣ መቐውሖም ከኣ ሰባበረ።
15-16 መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፣ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
17 ዓያሱ ብሰሪ ግህሰቶምን ብሰሪ ኣበሳኦምን ተጨነቑ፣
18 ነፍሶም ንመብልዕ ዘበለ ፈንፈነቶ። ክሳዕ ደጌታት ሞትውን በጽሑ።
19 ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
20 ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም።
21 ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
22 መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፣ ንግብርታቱውን ብእልልታ ይንገሩ።
23 ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ፣ ኣብ ዓበይቲ ማያት ዚነግዱ፣
24 ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር፣ አብ ዓሚቚ ድማ ተኣምራቱ ረአዩ።
25 አዘዘ እሞ፣ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ።
26 ናብ ሰማይ ደየቡ፣ ናብ መዓሙቚ ወረዱ፣ ነፍሶም ብመከራ መኸኸት።
27 ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፣ ኵሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍኤ።
28 ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፣ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦም።
29 ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦ፣ ማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ።
30 ስለ ዝሀድኤ ተሐጐሱ፣ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም።
31 ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ፣
32 አብ ማሕበር ኣህዛብ ልዕል የብልዎ፣ አብ ባይቶ ሽማግሌታት ድማ የመስግንዎ።
33-34 ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፣ ንዓይኒ ማያት ናብ ንቚጽ ምድሪ፣ ንፍርያም ምድሪ፣ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፣ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ።
35 ንበረኻ ናብ መዕቈር ማያት፣ ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ለወጦ።
36 ንጥሙያት ኣብኣ ኣሕደሮም፣ ንሳቶም ከኣ ዚነብሩላ ዓዲ ሰረቱ።
37 ግርሁ ዘርኡ፣ ወይንታት ተኸሉ፣ ብዝሒ ፍረ ኸኣ ሀቦም።
38 ባረኾም እሞ ኣዝዮም በዝሑ። ንኸብቶም ድማ ኣየውሐደሎምን።
39 ደሓር ከኣ ብምጥቃዕ፣ ብመከራ፣ ብጓሂ ወሐዱን ተዋረዱን።
40 አብ ልዕሊ መሳፍንቲ ሓሳር ከዐወ፣ መገዲ አብ ዜብሉ በረኻ ኣዀብለሎም።
41 ንድኻ ኻብ ሽጋሩ ልዕል አበሎ፣ ንዓሌታት ድማ ከም መጓሰ ኣብዝሖም።
42 ቅኑዓት ርእዮምዎ ኺሕጐሱ፣ አበሳ ዘበለውን ኣፉ ኺዐጹ እዩ።
43 ለባም ዘበለ ነዚ ኼስተብህሎ እዩ፣ ንጸጋ እግዚኣብሄር ከኣ ኬስተውዕሎ እዩ።

 

1 ዎ ኣምላኽ፣ ልበይን ክብረይን ኣንቂደን አለዋ። ክዝምርን ከመስግንን እየ።
2 በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።
3 ጐይታየ፣ አብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ አብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
4 ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣
5 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ አብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6 ፍትዋትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፣ ብየማነይትኻ ኣድሕነናን ስምዓናን።
7 ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ እልል ክብል እየ፣ ንሰኬም ክመቅል፣ ንለሰ ሱኮት ክልክዕ እየ።
8 ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴውን ናተይ እዩ፣ ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።
9 ሞአብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ። አብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ፣ አብ ፍልስጥኤም እልል ክብል እየ።
10 ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧ ናብ ኤዶም መን ኰን ይመርሓኒ፧
11 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፧ ንስኻ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧
12 ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና።
13 ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።

1-3 ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል።
4 አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ ኣሎኹ።
5 አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ አብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ።
6 ረሲእ አብ ልዕሊኡ ኣቝመሉ፣ ተጻራሪ አብ የማኑ ይቑም።
7 ምስ ተፈርደ፣ ተረቲዑ ይውጻእ፣ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ።
8 መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ።
9 ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፣ ሰበይቱውን መበለት ትኹን።
10 ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፣ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፣ እንጌራ ይድለዩ።
11 ንዘለዎ ዅሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞ፣ ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ።
12 ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፣ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ።
13 ሐድጉ ይጽነቱ፣ ስሞም አብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ።
14 በደል ኣቦታቱ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፣ ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ።
15 ኵሉ ጊዜ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፣ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ።
16 ንመስኪንን ንድኻን ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፣ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ፣
17 ንመርገም ፈተዋ፣ ንሳ ኸኣ መጸቶ፣ ንበረኸት ኣይበሀጋን፣ ንሳውን ረሐቐቶ።
18 ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፣ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፣ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት።
19 ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፣ ከምቲ ዅሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ።
20 እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም አብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን።
21 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፣ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣናግፈኒ።
22 ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ ልበይ አብ ውሽጠይ ቈሲሉ አሎ።
23 ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጐጕ ኣሎኹ።
24 ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ።
25 መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፣ እንተ ረአዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ።
26-27 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ርድኣኒ፣ እዚ ኢድካ ምዃኑ፣ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ።
28 ንሳቶም ይረግሙ፣ ንስኻ ግና መርቕ፣ እንተ ተንስኡ፣ ኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ።
29 ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፣ ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ።
30-31 ካብቶም ንነፍሱ ዚዀንንዋ ኼድሕኖስ፣ አብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፣ አብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።

 

1 ጐይታ ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ አብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ።
2እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፣ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።
3 በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፣ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።
4 እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለአለም ካህን ኢኻ፣ ኢሉ መሐለ ኣይጠዓስን ከኣ።
5 እግዚኣብሄር አብ የማንካ ዀይኑ፣ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፣
6 አብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፣ ብሬሳታት ኪመልኦ፣ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ።
7 አብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፣ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።

1 ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ አመስግኖ ኣሎኹ።
2 ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።
3 ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፣ ጽድቁ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር።
4 ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፣ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ።
5 ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም ይዝክር።
6 ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርአዮ።
7 ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፣ ትእዛዙ ዅሉ ጽኑዕ እዩ።
8 ንዘለአለመ አለም ጽኑዕ፣ ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ።
9 ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም አዘዘ፣ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ።
10 ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፣ ዚገብርዎ ዅሎም ሰናይ ልቦና ኣለዎም። ምስጋናኡ ንዘለአለም ይነብር።

 

1 ሃሌሉያ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ፣ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።
2 ዘርኡ አብ ምድሪ ኺስልጥን፣ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።
3 ሃብትን ጽጋብን አብ ቤቱ እዩ፣ ጽድቁውን ንዘለአለም ይነብር።
4 ንቕኑዓት፣ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፣ አብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም።
5 ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።
6 ንዘለአለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፣ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።
7 ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፣ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።
8 ልቡ ጽኑዕ እዩ፣ ትምኒቱ አብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን።
9 ዘረወ፣ ንድኻታት ሀበ፣ ጽድቁ ንዘለአለም ይነብር፣ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ።
10 ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፣ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፣ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።

1 ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ኣመስግኑ፣ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
2 ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ይባረኽ።
3 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።
4 እግዚኣብሄር አብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።
5-6 ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፣ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧
7-8 ምስ መሳፍንቲ፣ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፣ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።
9 ንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ አብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌሉያ።

1 እስራኤል ካብ ግብጺ፣ ቤት ያእቆብ ካብቲ ቛንቋኡ ዘይስማዕ ህዝቢ ምስ ወጸ፣
2 ይሁዳ መቕደሱ፣ እስራኤል ግዝኣቱ ዀነ።
3 ባሕሪ ርእያቶ ሀደመት። ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ።
4 ኣኽራን ከም ደዓውል፣ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ።
5 ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስከ፣ ንድሕሪት እተመለስካ፧
6 ኣቱም ኣኽራን፣ ከም ደዓውል፣ ኣቱም ኰረቢትሲ፣ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፣ እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧
7-8 ኣቲ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፣ ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ።

1 ንኣና ኣይኰነን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንኣና ኣይኰነን፣ ግናኸ ስለ ምሕረትካን ሓቅኻን ኢልካ፣ ንስምካ ኽብሪ ሀብ።
2 ስለምንታይ ኣህዛብ፣ ኣበይ ደአ ኣሎ ኣምላኾም፣ ዚብሉና፧
3 ኣምላኽናስ አብ ሰማያት ኣሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።
4 ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ።
5 ኣፍ ኣለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ ኣለዎም፣ ኣይርእዩን፣
6 እዝኒ ኣለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ ኣለዎም፣ ኣየጨንዉን፣
7 ኢድ ኣለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ ኣለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን።
8 እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።
9 ኣታ እስራኤል፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከል፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።
10 ኣቱም ቤት ኣሮን፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።
11 ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርህዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።
12 እግዚኣብሄር ዘከረና፣ ንሱ ኺባርኽ፣ ንቤት እስራኤል ኪባርኻ፣ ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ።
13 ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ፣ ናእሽቱን ዓበይትን፣ ኪባርኾም እዩ።
14 ንኣኹምን ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም።
15 በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እተባረኽኩም ኢኹም።
16 ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም።
17 ምውታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዅሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም።
18 ንሕና ግና ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለአለም ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ ኢና። ሃሌሉያ።

 

1 ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ።
2 እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፣ ኵለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ።
3 መኣስር ሞት ከበበኒ፣ ጸበባ ሲኦል ሐዘኒ፣ ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ።
4 ሽዑ ኣነ፣ ዎ ጐይታይ፣ ንነፍሰይ ኣድሕና፣ ኢለ ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ።
5 እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፣ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እዩ።
6 እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፣ ኣነ ተሸገርኩ፣ ንሱውን ኣድሐነኒ።
7 ነፍሰየ፣ እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፣ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።
8 ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፣ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣
9 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ።
10 ኣመንኩ፣ ስለዚ ተዛረብኩ፣ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ።
11 ኣነ ብስምባደይ፣ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፣ በልኩ።
12 ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፣ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧
13 ጽዋእ ምድሓን ክወስድ፣ ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ።
14 ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
15 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።
16 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ባርያኻ እየ፣ ባርያኻ፣ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፣ መኣስረይ ፈታሕካ።
17 መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፣ ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ።
18-19 ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ዎ የሩሳሌም፣ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ሃሌሉያ።

1 ኵሉኹም ኣህዛብ፣ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፣ ኵሉኹም ህዝብታት፣ ወድስዎ።
2 ጸጋኡ ኣባና ዓብዪ እዩ እሞ፣ ሓቂ እግዚኣብሄር ድማ ንዘለአለም ይነብር እዩ። ሃሌሉያ።

 

1 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ።
2 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እስራኤል ይበል።
3 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ ቤት ኣሮን ይበል።
4 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ።
5 አብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፣ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ።
6 እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን፣ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧
7 እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ረዳእየይ እዩ፣ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ።
8 ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ አብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።
9 ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ።
10 ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
11 ከበቡኒ፣ እወ ኸበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
12 ከም ንህቢ ከበቡኒ፣ ከም ሓዊ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ።
13 ተውድቐኒ ኢልካ ኣዚኻ ደፋእካኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ረድኣኒ።
14 ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ።
15 ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ፣ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር።
16 የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፣ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር ኣላ።
17 ብህይወት ክነብር እየ እምበር፣ ኣይክመውትን፣ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ።
18 እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፣ ንሞት ግና ኣይወፈየንን።
19 ብእኤን አትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፣ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ።
20 ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፣ ጻድቃን ብእኣ ኺአትዉ እዮም።
21 ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፣ ከመስግነካ እየ።
22 ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ።
23 እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፣ ነዒንትናውን ግሩም እዩ።
24 እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።
25 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ።
26 እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና።
27 እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።
28 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ ኤመስግነካ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ።
29 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።

 

1 ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም።
2 ምስክራቱ ዚሕልዉ፣ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም።
3 እከይ ኣይገብሩን፣ ብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ።
4 ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎ፣ ትእዛዛትካ ኣዘዝካ።
5 ኣየ፣ ስርዓታትካ ኽሕሉስ፣ መገደይ እንተ ዚቐንዕ።
6 ንዅሉ ትእዛዛትካ እንተ ዝቋመት፣ ሽዑ ኣይምሐፈርኩን።
7 ፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፣ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ።
8 ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፣ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ።
9 ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።
10 ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ።
11 ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
12 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፧ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
13 ንዅሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ።
14 ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ።
15 ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፣ ንመገድኻውን እቋመቶ ኣሎኹ።
16 ብስርዓታትካ ባህ እብል፣ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።
17 ብህይወት ክነብር፣ ቃልካውን ክሕሉስ፣ ንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ።
18 ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፣ ኣዒንተይ ክፈተለይ።
19 ኣነ አብ ምድሪ ጋሻ እየ፣ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ።
20 ነፍሰይ፣ ኵሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት።
21 ነቶም ትዕቢተኛታት፣ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ።
22 ምስክራትካ ሐልየ እየ እሞ፣ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።
23 መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒ፣ ባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን ኣሎ።
24 ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም።
25 ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
26 መገደይ ኣዘንቶኹ ፡ ንስኻውን መለስካለይ ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
27 ንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፣ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ።
28 ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ ኣላ፣ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ።
29 መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ፣ ሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ።
30 መገዲ ሓቂ መረጽኩ፣ ፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ።
31 ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣይተሕፍረኒ።
32 ልበይ ምስ ኣግፋሕካ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ።
33 ዎ እግዚኣብሄር፣ መገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፣ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ።
34 ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፣ ንሕግኻ ኽሕልዎ፣ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ።
35 ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ።
36 ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ።
37 ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።
38 ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ።
39 ፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይ።
40 እንሆ፣ ትእዛዛትካ እናፍቕ ኣሎኹ፣ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ።
41 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ።
42 ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፣ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ።
43 ንፍርድታትካ እጽበ ኣሎኹ እሞ፣ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ።
44 ኣነውን ንሕግኻ አዘውቲረ፣ ኵሉ ጊዜ፣ ንዘለአለም ክሕልዎ እየ።
45 ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፣ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ።
46 ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብ፣ ኣይክሐፍርን ድማ እየ።
47 በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ።
48 ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፣ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።
49 ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር።
50 ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ።
51 ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።
52 ጐይታየ፣ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩ፣ እጸናናዕ ኣሎኹ።
53 ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ።
54 ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ።
55 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብለይቲ ስምካ ሐሰብኩ፣ ሕግኻውን ሐሎኹ።
56 ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፣ እዚ ዕድለይ ኰነ።
57 ጐይታየ፣ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ።
58 ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፣ ከም ቃልካ ምሐረኒ።
59 ንመገደይ ሐሰብኩ፣ ኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ።
60 ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፣ ኣይደንጔኹን።
61 ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒ፣ ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።
62 ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፣ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ።
63 ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።
64 ጐይታየ፣ ምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ ኣላ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
65 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉ።
66 ትእዛዛትካ ኣሚነ ኣሎኹ እሞ፣ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ።
67 ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ ኣሎኹ።
68 ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
69 ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ ኣለዉ፣ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣሎኹ።
70 ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፣ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል ኣሎኹ።
71 ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀር፣ ውርደተይ ሰናይ ኰነለይ።
72 ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ።
73 ኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንን፣ ትእዛዛትካ ኽምሀርሲ፣ ኣለብመኒ።
74 ንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፣ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ እዮም።
75 ጐይታየ፣ ፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፣ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒ፣ እፈልጥ ኣሎኹ።
76 ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል፣ ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ።
77 ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፣ ብህይወት ክነብርሲ፣ ምሕረትካ ይውረደኒ።
78 ዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፣ ይሕፈሩ፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን ኣሎኹ።
79 እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ።
80 ምእንቲ ኸይሐፍርሲ፣ ልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን።
81 ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ ኣላ፣ ንቓልካ እጽበዮ ኣሎኹ።
82 መአዝ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧ እናበልኩ፣ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ።
83 ከም አብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፣ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
84 መዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን፧ ንሰጐጕተይከ መአዝ ኢኻ እትፈርዶም፧
85 እቶም ከም ሕግኻ ዘይነብሩ ትዕቢተኛታት ጕድጓድ ኰዐቱለይ።
86 ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፣ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ ኣለዉ፣ ርድኣኒ።
87 ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን።
88 ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፣ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ።
89 ዎ እግዚኣብሄር፣ ቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ ኣሎ።
90 ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፣ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፣ ንሳውን ትነብር ኣላ።
91 ብዘሎ ዅሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ ኣሎ።
92 ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ።
93 ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፣ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ።
94 ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፣ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒ።
95 ረሲኣን፣ ምእንቲ ኼጥፍኡኒ፣ ይጸናተውኒ ኣለዉ፣ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ ኣሎኹ።
96 ኵሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ።
97 ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ ኣሎኹ።
98 ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ።
99 ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።
100 ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፣ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ።
101 ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፣ ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ።
102 ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ።
103 ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፣ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ።
104 ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፣ ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ።
105 ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።
106 ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩ፣ ኣጽናዕክዎ ኸኣ።
107 ኣዝየ ተጨነቕኩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
108 ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርድታትካ ምሀረኒ፣ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ።
109 ነፍሰይ ኵሉ ጊዜ አብ ኢደይ እያ፣ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ።
110 ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻውዱለይ፣ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን።
111 ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ።
112 ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፣ ልበይ ኣድነንኩ።
113 ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፣ ሕግኻ ግና ፈቶኹ።
114 ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፣ ብቓልካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
115 ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፣ ኣቱም ሕሱማት፣ ካባይ ርሐቑ።
116 ብህይወት ክነብርሲ፣ ከም ቃልካ ደግፈኒ፣ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።
117 ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፣ ንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽቛመቶ እየ።
118 ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፣ ነቶም ካብ ስርዓታትካ ዜግልሱ ዅሎም ትረግጾም።
119 ንስኻ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጕሕፎም፣ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ።
120 ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድ፣ ፍርድኻውን የሸብረኒ ኣሎ።
121 ፍርድን ጽድቅን እገብር ኣሎኹ፣ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒ።
122 ንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶ፣ ዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም።
123 ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ።
124 ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉ፣ ስርዓታትካ ኸአ ምሀረኒ።
125 ኣነ ባርያኻ እየ፣ ምስክራትካ ኽፈልጥሲ፣ ኣእምሮ ሀበኒ።
126 ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዩ።
127 ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ ኣሎኹ።
128 ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፣ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ።
129 ምስክራትካ መስተንክር እዩ፣ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ።
130 ምኽፋት ቃልካ የብርህ፣ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።
131 ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፣ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል ኣሎኹ።
132 ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፣ ተመለሰንን ምሐረንን።
133 ንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፣ እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ።
134 ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፣ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።
135 ገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉ፣ ስርዓታትካ ኸአ ምሀረኒ።
136 ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ።
137 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ።
138 ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ።
139 ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፣ ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።
140 ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣ ባርያኻውን የፍቅሮ ኣሎ።
141 ኣነ፣ ንኡስን ንዑቕን እየ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
142 ጽድቅኻ ናይ ዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ሕግኻውን ሓቂ እዩ።
143 መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፣ ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ።
144 ምስክራትካ ንዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፣ ብህይወት ክነብር እየ።
145 ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣሎኹ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምለሰለይ፣ ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
146 ናባኻ ተማህለልኩ፣ ኣድሕነኒ፣ ምስክራትካውን ክሕሉ እየ።
147 ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹ፣ ንቓልካ እጽበ እኔኹ።
148 ንቓልካ ኼስተንትንሲ፣ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም።
149 ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
150 ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ ኣለዉ፣ ካብ ሕግኻ ረሐቑ።
151 ዎ እግዚኣብሄር፣ ቀረባ ኢኻ፣ ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።
152 ንዘለአለም ከም ዝመስረትካዮ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩ።
153 ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።
154 ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
155 ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፣ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ።
156 ዎ እግዚኣብሄር፣ ርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
157 ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩን።
158 ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም።
159 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፣ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ።
160 ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣ ኵሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለአለም ይነብር።
161 መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒ፣ ልበይ ግና ቃልካ እዩ ዝፈርህ።
162 ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ ኣሎ።
163 ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን፣ ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ ኣሎኹ።
164 ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ ኣሎኹ።
165 እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።
166 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምድሓንካ ተጸቤኽዎ፣ ትእዛዛትካ ድማ ገበርኩ።
167 ነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶ፣ ኣዝየውን ኤፍቅሮ ኣሎኹ።
168 ኵሉ መገደይ አብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፣ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ።
169 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ።
170 ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣናግፈኒ።
171 ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን።
172 ኵሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፣ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ።
173 ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፣ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን።
174 ጐይታየ፣ ምድሓንካ እናፍቕ ኣሎኹ፣ ሕግኻውን ደስታይ እዩ።
175 ንነፍሰይ ህያው ግበራ፣ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፣ ፍርድታትካውን ይርድኣኒ።
176 ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩ፣ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ ንባርያኻ ድለዮ።

 

1 ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፣ ንሱውን መለሰለይ።
2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፣ ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ።
3 ኣቲ ወስላታ መልሓስ፣ እንታይ ኪህቡኺ፧ እንታይሲ ኺውስኹኺ እዮም፧
4 ናይ ጅግና በላሕቲ ፍላጻ፣ ምስ ጓህሪ ሰራው።
5 ወይለይ፣ ኣብ ሜሴክ እሰፍር፣ ኣብ ማእከል ድንኳናት ቄዳር እነብር ኣሎኹ።
6 ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፣ ብዙሕ ጊዜ ነበረት።
7 ኣነስ ሰላማዊ እየ፣ ንሳቶም ግና፣ እንተ ተዛረብኩ፣ ንውግእ ይስለፉ ኣለዉ።

1 ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧
2 ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።
3 ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፣ ሓላዊኻ ኣይታኸስን።
4 እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ።
5 እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ።
6 ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።
7 እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ።
8 እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።

1 ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፣ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ።
2 ዎ የሩሳሌም፣ ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ።
3 ኣቲ የሩሳሌም፣ ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሀነጽኪ።
4 እቶም ዓሌታት፣ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፣ ከምቲ ምስክር እስራኤል ንስም እግዚኣብሄር ኪውድሱ ናብኣ ይድይቡ።
5 ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲ፣ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ ኣሎ።
6 ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።
7 ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።
8 ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፣ ሰላም ይዅነልኪ፣ እብል።
9 ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፣ ሰናይኪ እደሊ ኣሎኹ።

1 ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር፣ ኣዒንተይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ።
2 እንሆ፣ ከምቲ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም፣ ከምቲ ኣዒንቲ ገረድ ናብ ኢድ እምቤታ ዚጥምታ፣ ከምኡውን ኣዒንትና፣ ንሱ ኽሳዕ ዚርሕርሓልና፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ።
3 ምሐረና፣ ንዕቀት ኣዚና ጸጊብና ኢና እሞ፣ ጐይታየ፣ ምሐረና።
4 ነፍስና ብላግጺ ሕንቁቓትን ብንዕቀት ዕቡያትን ኣዝያ ጸገበት።

1 እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፣ ይበል እስራኤል፣
2 እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፣ ሰብ ኪትንስኡና ኸለዉ፣
3 ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ፣ ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና፣
4 ሽዑ ማያት መጥሐለና፣ ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምወሐዘ፣
5 ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሐለፈ ነይሩ።
6 እቲ ንምንጫቶ ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባረኽ።
7 ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፣ መፈንጠራ ተበትከ፣ ንሕናውን ኣምለጥና።
8 ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።

1 እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፣ ንዘለአለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።
2 ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን ኣሎ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለአለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
3 ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፣ በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጻድቃን ኣይነበርን እዩ።
4 ጐይታየ፣ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።
5 ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።

 

1 እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፣ ከም ሓለምቲ ነበርና።
2 ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፣ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፣ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፣ ተባሃሀሉ።
3 እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፣ ንሕናውን ተሐጐስና።
4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም።
5 ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ።
6 ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፣ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።

1 እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።
2 ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።
3 እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
4 ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም።
5 ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።

 

1 ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፣ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ።
2 ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ።
3 ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።
4 እንሆ፣ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ።
5 እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸካ፣ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ።
6 ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።

1 ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፣ ይበል እስራኤል፣-
2 ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፣ ግናኸ ኣይሰዐሩንን።
3 ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሐረሱ፣ ትልምታቶም ኣንውሑ።
4 እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፣ ኣግማድ ረሲኣን በተኸ።
5 ንጽዮን ዚጸልኡ ዅላቶም ይሕፈሩ፣ ንድሕሪትውን ይመለሱ።
6-7 ከምቲ ሳዕሪ ናሕሲ፣ ዓጻዲ ኢዱ መሊኡ ዘይዐትረሉ፣ መልዓል እንዳእቲውን መሊኡ ዘይሐቚፈሉ፣ ከይዐበየ ዚሃጕጕ ይኹኑ።
8 ሐለፍቲ መገዲ ድማ፣ በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፣ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና፣ ኣይብሉን።

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ።
2 ጐይታየ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ።
3 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፣ ጐይታየ፣ መን ደው ኪብል እዩ፧
4 ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፣ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ።
5 ንእግዚኣብሄር እጽበ፣ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
6 ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሐለውቲ፣ እወ፣ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ ኣላ።
7 ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፣ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፣ ዎ እስራኤል፣ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።
8 ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኵሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ልበይ ኣይተዐበየን፣ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፣ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን።
2 ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፣ ስቕ ኣበልክዋ፣ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡ፣ ነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ።
3 ኣታ እስራኤል፣ ካብ ሕጂ ንዘለአለም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዳዊት ኵሉ መከራኡ ዘክረሉ።
2-5 ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለ፣ ቦታ እግዚኣብሄር፣ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፣ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፣ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፣ ነዒንተይ ድቃስ፣ ንዀበሮ ዓይነውን ሰለምታ ኣይህብን፣ ኢሉ። ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፣ ዘክረሉ።
6 እንሆ፣ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ።
7 ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።
9 ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፣ ቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ።
10 ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ።
11-12 እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ።
13 እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፡
14 እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።
15 ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፣ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ።
16 ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።
17 ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ።
18 ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፣ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኼንጸባርቕ እዩ።

 

1 እንሆ፣ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፣ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።
2 ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፣ ኣብ ጭሕሚ፣ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፣ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ።
3 እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወትን ንዘለአለምን ኣዚዙ እዩ እሞ፣ ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ።

1 እንሆ፣ ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እትቘሙ ኵሉኹም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
2 ኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ ኣልዕሉ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ።
3 ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባርኽካ።

1-2 ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፣ ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፣ ኣመስግንዎ።
3 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። ግሩም እዩ እሞ፣ ንስሙ ምስጋና ዘምሩሉ።
4 እግዚኣብሄር ንያእቆብ ናቱ፣ ንእስራኤል ከኣ ጥሪቱ ኪኸውን ሐረዮ።
5 እግዚኣብሄር ዓብዪ ምዃኑ፣ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፣
6 እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።
7 ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፣ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፣ ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ።
8 ንበዅሪ ግብጺ፣ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፣ ወቕዔ።
9 ዎ ምስሪ፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ባሮቱን ትእምርትን ተኣምራትን ሰደደ።
10-11 ንዓበይቲ ኣህዛብ ወቕዔ፣ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ፣ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኦግ ንጉስ ባሳንን ንዅሎም መንግስታት ከነኣንን ቀተለ።
12 ምድሮምውን ንርስቲ ሀበ፣ ንህዝቡ እስራኤል ኣውርሶም።
13 ዎ እግዚኣብሄር፣ ስምካ ንዘለአለም፣ ኣታ ጐይታይ፣ ዝኽርኻ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14 እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይብይነሎም እዩ እሞ፣ ንባሮቱ ይርሕርሓሎም።
15 ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም።
16 ኣፍ ኣለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ ኣለዎም፣ ኣይርእዩን፣
17 ኣእዛን ኣለዎም፣ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።
18 እቶም ዚገብርዎም ዚውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ኪዀኑ እዮም።
19 ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣ ኣቱም ቤት ኣሮን፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣
20 ኣቱም ቤት ሌዊ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21 ኣብ የሩሳሌም ዚነብር እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባረኽ። ሃሌሉያ።

 

1 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ።
2 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ።
3 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግንዎ።
4 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፣
5 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፣
6 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፣
7 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ፣
8 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ፣
9 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ፣
10 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንግብጺ ብበዅሮም ዝወቕዔ፣
11 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽኤ፣
12 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፣
13 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፣
14 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፣
15 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሐለ፣
16 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሔ፣
17 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም፣
18 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ፣
19 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንሲሆን፣ ንጉስ ኣሞራውያን፣
20 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፣
21 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ምድሮምውን ንርስቲ ዝሀበ፣
22 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ፣
23 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና፣
24 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና፣
25 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣
26 ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።

 

 

1 ኣብ ጥቓ ርባታት ባቢሎን ተቐመጥና፣ ንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና።
2 መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና።
3 እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፣ እቶም ሰቀይትናውን፣ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፣ እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና።
4 ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር፣
5 የሩሳሌመየ፣ እንተ ረሲዔክስ፣ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ።
6 እንተ ዘይዘኪረኪ፣ ንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዅሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፣ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።
7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም፣ ኣፍርሱ፣ ክሳዕ መሰረታ ኣፍርስዋ፣ ዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ የሩሳሌም ዘክሮም።
8 ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፣ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ።
9 ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ።

1 ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፣ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር።
2 ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፣ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፣ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ።
3 በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፣ ኣትባዕካኒ፣ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ።
4 ጐይታየ፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪ፣ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፣ ኬመስግኑኻ እዮም።
5 ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፣ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም።
6 እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፣ ንትሑት ይርእዮ፣ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።
7 ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።
8 እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየ፣ ጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።

 

1 ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን።
2ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።
3-4 ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።
5 ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒ፣ ኢድካውን ኣንበርካለይ።
6 እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን።
7 ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧
8 ንሰማይ እንተ ደየብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።
9 ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣
10 ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ።
11 ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣
12 ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም።
13 ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣
14 መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።
15 ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን።
16 ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
17 ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ።
18 እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ።
19 ዎ ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተ ትቐትሎ፣ ኣቱም ደመኛታት፣ ካባይ ርሓቑ።
20 ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፣ ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ።
21 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም፧
22 ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፣ ጸላእተይ እዮም።
23 ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ።
24 መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ።

 

1-2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብቲ እኩይ ሰብ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ብልቦም እከይ ዚህቅኑ፣ ኵሉ መዓልቲውን ውግእ ዜልዕሉ ሐልወኒ።
3 መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፣ አብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።
4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣእዳው ረሲእ ባልሃኒ፣ ካብ ዓመጸኛ ሰብ፣ ካብቶም ንስጒምተይ ኪሕንኵሉ ዚህቅኑ ሐልወኒ።
5 ዕቡያት መፈንጠራን ገመድን ሐብኡለይ፣ ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ዘርግሑ፣ መድፈና ኣጻወዱለይ።
6 ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልክዎ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታይ፣ ሓይሊ ምድሓነይ፣ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከይዕበዩስ፣ ንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፣ ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ።
9 እቶም ዚኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ።
10 ጒሁር ፈሓም ይውደቆም፣ ናብ ሓዊ፣ ናብቲ ዘይወጹሉ ዓሚቚ ጒድጓድ ይደርበዮ።
11 ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ኣብ ሃገር ኣይኪቐውምን፣ ንገፋዒ፣ ክሳዕ ዚወድቕ፣ እከይ ኪሀድኖ እዩ።
12 እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓት፣ ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዚገብረሎም፣ እፈልጥ እየ።
13 ብርግጽ፣ ጻድቃን ንስምካ ኼማስዉ፣ ቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኺነብሩ እዮም።

1 ጐይታየ፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ቀልጢፍካ ምጸኒ፣ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ።
2 ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።
3 ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።
4 ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፣ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ።
5 ጻድቕ ይውቅዓኒ፣ ለውሃት እዩ፣ ይዝለፈኒ፣ ዘይቲ ርእሲ እዩ፣ ርእሰይ ኣይእበዮ፣ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ።
6 ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፣ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም።
7 ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታየ፣ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ።
9 ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ።
10 ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፣ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።

1 ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፣ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል ኣሎኹ።
2 ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፣ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር።
3 መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፣ መገደይ ፈለጥካ፣ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ።
4 ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፣ ዚፈልጠኒ የልቦን፣ መዕቈቢ ሰአንኩ፣ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን።
5 ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻ መዕቈብየይ፣ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ።
6 ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፣ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ።
7 ንስምካ ኸማሱስ፣ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፣ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፣ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።

 

1 ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንምህለላይ ጽን በሎ፣ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ።
2 ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፣ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3 ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፣ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፣ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ።
4 መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ።
5 ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፣ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፣ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ።
6 ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ።
7 ዎ እግዚኣብሄር፣ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፣ ገጽካ ኣይትኸውለለይ።
8 ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።
9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ዕቑባኻ እየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ።
10 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፣ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።
11 ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፣ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ።
12 ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፣ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፣ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም።

1 እግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
2 ጸጋይ፣ ዕርደይ፣ እምባይ፣ መድሓንየይ፣ ዋልታይ፣ እቲ ዝውከሎ፣ ንህዝበይ ዜግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ።
3 ዎ እግዚኣብሄር፣ ሰብ እንታይ እዩ እትፈልጦ፧ ወዲ ሰብከ እንታይ እዩ እትዝክሮ፧
4 ሰብ ንትንፋስ ይመስል፣ መዓልትታቱ ኸም ዚሐልፍ ጽላሎት እየን።
5 ዎ እግዚኣብሄር፣ ሰማያትካ ለጠቕ ኣቢልካ ውረድ፣ ነኽራን ተንክዮ እሞ፣ ኪተክኽ።
6 መባርቕ ኣባርቕ እሞ፣ በትኖም፣ ፍላጻታትካ ወርዊርካ አሸብሮም።
7 ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፣ ካብ ብርቱዕ ማያት፣ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ።
8 ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፣ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።
9 ዎ ኣምላኽ፣ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፣ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ ኣሎኹ።
10 ንነገስታት ዲል ዝሀብካ፣ ንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ሰይፊ ዘድሐንካ ንስኻ ኢኻ።
11 ካብ ኢድ ውሉድ ጓና፣ ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፣ የማነይቲ ኢዶም የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት፣ ኣናግፈንን ባልሃንን።
12 ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፣ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና፣
13 መዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእ፣ ኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፣
14 ኣብዑርና ኣጸቢቖም ይመንጒዱ፣ ኣብ ኣደባባያትናስ፣ ምጥሓስን ምህዳምን ኣውያትን ኣይኹን።
15 ከምዚ ዚረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ፣ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።

1 ዎ ኣምላኸይ፣ ንጉሰይ፣ ልዕል ከብለካ፣ ስምካውን ንዘለአለም ኣለም ክባርኽ እየ።
2 ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፣ ስምካውን ንዘለአለመ ኣለም ክውድስ እየ።
3 እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግብኦ፣ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ።
4 ካብ ወልዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፣ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ።
5 ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ።
6 ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ እዮም፣ ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ።
7 መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኼውርዩ፣ ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም።
8 እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፣ ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ።
9 እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፣ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።
10 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኵሉ ግብርታትካ ኼማስወካ፣ ቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም።
11-12 ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ፣ ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ፣ ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም።
13 መንግስትኻ መንግስቲ ዘለአለም እያ፣ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14 እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም፣ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም።
15 ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም።
16 ኢድካ ትኸፍት እሞ፣ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።
17 እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፣ ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።
18 እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም፣ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።
19 ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፣ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።
20 እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም፣ ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።
21 ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፣ ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለአለም ኣለም ይባርኾ።

 

1 ሃሌሉያ። ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ።
2 ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።
3 ብመሳንፍቲ፣ በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።
4 ትንፋሱ ይወጽእ፣ ናብ መሬት ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።
5 ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ፣ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ።
6 ንሰማይን ምድርን፣ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፣ ንሓቂ ኽሳዕ ዘለአለም ዚሕሉ፣
7 ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፣ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።
8 እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕውራት ይኸፍተን፣ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፣ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፣
9 እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፣ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮም፣ ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ።
10 እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይነግስ፣ ዎ ጽዮን፣ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ። ሃሌሉያ።

1 ሃሌሉያ። ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፣ ጥዑም እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግባእ።
2 እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሀንጽ፣ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።
3 ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።
4 ቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም።
5 ጐይታና ዓብዪ እዩ፣ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፣ ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን።
6 እግዚኣብሄር ንትሑታት ይድግፎም፣ ንረሲኣን ግና ኣብ ምድሪ የውድቖም።
7 ንእግዚኣብሄር ብምምሳው ዘምሩሉ፣ ንኣምላኽና ውዳሴ ብመሰንቆ ዘምሩሉ።
8 ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፣ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፣ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፣
9 ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣
10 ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፣ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፣
11 እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፣ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ።
12-13 መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ፣ ንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፣ ዎ የሩሳሌም፣ ንእግዚኣብሄር አመስግኒ፣ ዎ ጽዮን፣ ንኣምላኽኪ ወድሲ።
14 ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብር። ብስብሒ ስርናይ የጽግበኪ።
15 ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፣ ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ።
16 ንበረድ ከም ጸምሪ ይህብ፣ ንኣስሓይታ ኸም ሓመዅስቲ ይብትኖ።
17 ንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፣ ኣብ ቅድሚ ቚሩኸ መን ይቐውም፧
18 ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ፣ ንፋሱ የንፍስ እሞ ማያት ይውሕዙ።
19 ቃሉ ንያእቆብ፣ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ።
20 ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን፣ ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን። ሃሌሉያ።

 

1 ሃሌሉያ። እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ።
2 ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፣ አመስግንዎ።
3 ኣትን ጸሓይን ወርሕን፣ ኣመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፣ አመስግንዎ።
4 ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፣ ኣመስግንዎ።
5 ንሱ ኣዚዙ፣ ተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
6 ንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞም፣ ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም።
7 ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣
8 ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ ኣተስልጥ ህቦብላን፣
9 ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣
10 ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፣
11 ነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብን፣ መሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣
12 ኣጕባዝን ጐራዙትን፣ ዓበይቲ ምስ ናኣሽቱ።
13 ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
14 ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑ፣ ደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢ፣ የመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ።

 

1 ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ።
2 እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስ፣ ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ።
3 ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ።
4 እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፣ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም።
5 ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፣ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ።
6-9 ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፣ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፣ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፣ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፣ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፣ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፣ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። ሃሌሉያ።

1 ሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ ኣመስግንዎ፣
2 ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ ኣመስግንዎ።
3 ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን ኣመስግንዎ፣
4 ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ኣመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን ኣመስግንዎ።
5 ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል ኣመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ።
6 ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...