ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ መክብብ (Ecclesiastes)

እቲ ዛንታ ኣብ ምድሪ ዋላ ሓንቲ ሓድሽ ነገር ስለ ዘየለ ኣብ ህይወት ዘሎ ዅሉ ነገራት መወዳእታ ዘይብሉን ትርጕም ኣልቦን ምዃኑ ብፍላይ ከኣ ሰብኣዊ ትግሃትን ዑደት ተፈጥሮን ከም ዝዀነ ኣጕረምረመ። እቲ ንመክብብ ዘዘንተወ ሰብ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኵሉ ግብርታት” ስለ ዝረኣየ በቲ ጥበብ ናይ ምስትውዓል ዕማም እተረግመ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ( 1 14)። እቲ ዛንታ ዜዘንቱ ሰብ ብዛዕባ ጥበብ ዚገልጽ መጽናዕቱን ጽንሰ ሓሳቡን ምስላታቱን ብጽሑፍን ብምትሕውዋስ ይእክብ።

መጽሐፈ መክብብ (Ecclesiastes)

1 ቃላት እቲ ሰባኺ፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ ዮርሳሌም።
2 ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኩሉ ከንቱነት እዩ።
3 ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ኹሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፡
4 ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸአ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም።
5 ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ።
6 ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ።
7 ውሒዝ ዘበለ ኹሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።
8 ኩሉ ነገር ይጽዕር፡ ሰብ ኪዛረብ እኳ ኣይይኽእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸአ ብምስማዕ ኣይትመልእን።
9 እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን።
10 ሰብሲ፡ እንሆ፡ እዚኣ ሓዳስ እያ፡ ዚብለላ ነገርዶ ኣላ እያ፡ ድሮ በቲ ቕድሜና ዝነበረ ዘመናት ዝነበረት እያ።
11 እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸአ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን።
12 ኣነ ሰባኺ ኣብ ዮርሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ።
13 ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሕማቕ ጻዕሪ እዩ።
14 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
15 ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን።
16 ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ።
17 ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ።
18 ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ የብዝሕ።

1 ኣነ ብልበይ፡ እምበአርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ እዚውን ከንቱነት እዩ።
2 ንሰሓቕ፡ ዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከአ፡ እንታይ ትጠቅም፡ በልክዎም።
3 ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ፡ ልበይ ብጥበብ እናመርሓንስ፡ ንስጋይ ወይኒ ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸአ ክሕዛ ሐሰብኩ።
4 ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩ፡ ኣባይቲ ንኣይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩ።
5 ኣታኽልትን ገነታትን ንኣይ ገብርኩ። በብዓይነቱ ፍሬታት ዚፈሪ ኣእዋም ከአ ተኸልኩሉ።
6 ነቲ ኣብ ዱር ዝበቖለ ኣእዋም ምእንቲ ኸስትየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ።
7 ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከአ ነበሩኒ፡ ብዙሕ እንስሳ፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ የርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሕ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ።
8 ብሩር፡ ወርቂ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከአ መዝገባት ኣከብኩ፡ ደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከአ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ።
9 በዚ ኸምዚ ዓብዩ ኾንኩ፡ ሐለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድማ እናዐቤኹ ኸድኩ። ጥበበይውን ምሳይ ጸንዔት።
10 ኣዒንተይ ዝደለያኦ ኹሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጎስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን። ልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ኹሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ።
11 ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ኹሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸአ፡ እዚ ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።
12 እቲ ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብ እንታይ ኪገብር እዩ፡ ነቲ ድሮ እተገብረ እዩ። እምበኣርሲ ንጥበብን ንዕሽነትን ድንቁርናን ክጥምት ምልስ በልኩ።
13 ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽ፡ ጥበብ ካብ ድንቁርና ኸም እትበልጽ ርኤኹ።
14 ጠቢብ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፡ ዓሻ ግና ኣብ ጸልማት ይመላለስ።
15 ኣነውን፡ ከምቲ ንዓሻ ዚበጽሖ ንኣይ ከአ ኪበጽሐኒ እዩ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ንምንታይ ደአ ኣዝየ ጥበበኛ ኮንኩ፡ ብልበይ ድማ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ።
16 በተን ዚመጻ መዓልትታት ኩሉ ይርሳዕ ስለ ዝኾነ፡ መዘከርታ እቲ ጥበበኛ ከምቲ ናይቲ ዓሻ ንሓዋሩ ኣይነበርን እዩ እሞ፡ ኣየ፡ እቲ ጥበበኛስ ከምቲ ዓሻ ይመውት።
17 ኩሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ።
18 ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ኹሉ ዕዮይ ጸላእክዎ።
19 ንሱኸ ጠቢብ ክኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፡ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ኾይነ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዝጉይተተሉ፡ እዚውን ክንቱነት እዩ።
20 ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቑረጽክዎ።
21 እንሆ፡ ንጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝጸዐረ ሰብ ኣሎ፡ ግናኸ ንዘይደኽመለኡ ሰብ እዩ ዜውርሶ። እዚውን ከንቱነት ዓብዩ ወጽዓን እዩ።
22 ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኩሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፡
23 ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እዩ፡ ዕዩኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዐርፍን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።
24 ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ነነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ርኤኹ።
25 ካባይ ኣብሊጹ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፡
26 ነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጎስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስ፡ ኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

1 ንኹሉ ዘዘመኑ ኣለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኹሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ ኣለዎ።
2 ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንምትካል ጊዜ ኣለዎ። ነቲ እተተኽለ ምምቋስ ድማ ግዘ አለዎ።
3 ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ።
4 ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ ኣለዎ።
5 ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ ኣለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ ኣለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ።
6 ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ።
7 ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ ኣለዎ።
8 ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።
9 እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡
10 ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ።
11 ንኹሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።
12 ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ።
13 እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።
14 ኣምላኽ ዝገበሮ ኹሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላክ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ።
15 እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸአ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ።
16 ኣነውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ከም ዘሎ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ከም ዘሎ ርኤኹ።
17 ኣነ ብልበይ ንኹሉ ነገርን ንኹሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ።
18 ኣነውን ብልበይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘቦም፡ እንስሳ ምዃኖም ከአ ባዕላቶም ኪርእዩስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዚ ኾነ፡ በልኩ።
19 ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሐደ እዩ ብጽሒቶም ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲኣቶም ከአ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ ኣላቶም። ኩሉ ኸንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን።
20 ኹሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኪሎም ካብ መሬት ኮኑ፡ ኩሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።
21 እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፡ እስትንፋስ እንስሳ ኸኣ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ፡
22 ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ኪርእስ መን ይመልሶ፡ ንሰብ ብዕዩኡ ባህ ምባል እንተ ዘይኮይንይስ፡ ካልእ ዚሔሾ ኸም ዜብሉ ርእየ እየ እሞ፡ ጊዴኡ እዚ እዩ።

 

1 ኣነ ኸአ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን።
2 ስለዚ ኻብዞም ገና ብህይወት ዘለው ህያዋን ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምውታት ኣመስገንኩ።
3 ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ዘይነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር እኩይ ግብሪ ዘይረአየ ኣዝዩ ይሐይሽ።
4 ኩሉ ጻዕርን ኩሉ ምስላጥ ዕዮን ከአ ንሰብ ኣብ ብጻዩ ቕንኢ ኸም ዜተንስእ ርኤኹ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
5 ዓሻ ኣእዳው የመሳቕል እሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ይበልዕ።
6 ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይንሲ ሓንቲ ዕሙኹቲ ምስ ዕረፍቲ ይሓይሽ።
7 ተመሊሰ ድማ ከንቱነት ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡
8 በይኑ ዚነብር፡ ካልኣይ ዜብሉ፡ ውሉድ ወይስ ሓው ዜብሉ ሰብ አሎ። ምስናይዚ ንጻዕሩ ወሰን የብሉን፡ ኣዒንቱ ከኣ ሃብቲ ኣይጸግባን፡ ነፍሰይ ጽቡቕ እናኸላእኩ ዝደኸሞኽ ንመን እዩ፡ እዚውን ከንቱነትን ሕማቕ ጻዕርን እዩ።
9-10 ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
11 ከምኡ ኸአ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡
12 ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።
13 ካብ ምኽሪ ምቕባል ዘይፈልጥ ኣረጊትን ዓሻን ንጉስሲ ድኻን ጥበበኛን መንእሰይ ይሐይሽ።
14 ብመንግስቱ ድኻ ኾይኑ እኳ ተወሊዱ ኽነሱ፡ ንጉስ ኪኸውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ።
15 ኣነ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚመላለሱ ኹሎም ህያዋን ምስቲ ኣብ ክንዳኡ ኪቐውም እተመደበ ኻልኣይ ጎበዝ ርኤኽዎም።
16 እቲ ንሱ ዚመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፡ ግናኸ እቶም ብድሕሪኡ ዚመጹ ብእኡ ኣይኪሕጎሱን እዮም። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

 

1 ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ። እከይ ከም ዝገበሩ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ካብ ናይ ዓያሱ መስዋእቲ ሕሩድሲ ኽትሰምዕ ምቕራብ ደአ ይሐይሽ።
2-3 ሕልሚ ብምብዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸአ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።
4 ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ። ብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞ።
5 ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ።
6-7 ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን ኣሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን፡ ጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚኹርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸአ ዜጥፍእን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደአ።
8 ካብቲ ብልዕሲ ልዕል ዝበለ ዝጥምት ኣሎ፡ ካብቶም ልዕል ዝበሉ ኸአ አለው እሞ፡ ድኻ ኺጥቃዕ ኣብ ሀገር ከአ ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ፡ ኣይትገረም።
9 ግናኸ ጥቕሚ መሬት ንኹሉ እዩ፡ ንጉስ እኳ ብሕርሻ ይጥቀም።
10 ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸአ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።
11 ጥሪት እንተ በዝሔ፡ በላዕቱ ይበዝሑ፡ ንመጥረይኡ ደአ፡ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮኑስ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡
12 እቲ ዓያዩ ብዙሕ ወይኒ ሒደት እንተ በልዒ፡ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፡ ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን።
13 ዜሕዝን መግደራ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎስ፡ እቲ ንጉድኣት መጥረይኡ እተደለበ ሃብቲ እዩ።
14 እዚ ሃብቲ እዚ ብድንገት ይጠፍእ፡ ወዲ እንተ ወለደ ኸአ፡ እቲ ወዱ ጥራይ ኢዱ የተርፍ።
15 ከምቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቱ ዝወጸ፡ ጥራዩ ኸም ዚመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸአ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን።
16 ከምቲ ዝመጾ እዩ ዚኸይድ እሞ፡ እዚውን ዜሕዝን መግደራ እዩ፡ ንንፋስ ዝጸዐሮ ደአ እንታይ ኪረብሖ እዩ፡
17 ኩለን መዓልትታቱ ኣብ ጸልማት ይበልዕ፡ ብዙሕ መከራን ሕማምን ኩራን ከአ አለዎ።
18 እንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቑጽሪ መዕልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ክርእን እዩ፡ እዚ ኸአ ሰናይን ጽቡቕን ኾይኑ ርኤኽዎ።
19-20 ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖ፡ ኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጎስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።

 

1 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ፡ ንሰብ ኣዝዩ ዚኸብዶ መግደራ አሎ፡
2 ኣምላኽሲ ሃብትን መዝገብን ክብርን ንሰብ ሀቦ፡ ካብቲ ዝድለዮ ዘበለ ኸአ ነፍሱ ሓደ እኳ ኣይሰአነትን፡ ግናኸ ካልእ ሰብ ይበልዖ እምበር፡ ካብኡ ኺበልዕ ኣምላኽ አየሰልጠኖን። እዚ ኸንቱነትን ዝኸፍኤ መግደራን እዩ።
3 ሰብ ሚእትን ቖልዓ እንተ ዚወልድ፡ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዚነብር፡ መዓልትታት ዕድሚኡውን እንተ ዚበዝሕ፡ ነፍሱ ግና ብሰናይ እንተ ዘይጸገበት፡ መቓብርውን እንተ ዘይረኸበ፡ ካብኡስ ቁላዕ ይሐይሽ፡ እብል ኣሎኹ።
4 ብኸንቱነት ይመጽእ፡ ብጸልማትውን ይኸይድ እዩ እሞ፡ ስሙ ብጸልማት ይኸወል።
5 ንጸሓይ ኣይርእያን፡ ኣይፈልጣን፡ ካብትስ እዚ ዝበለጸ ዕረፍቲ ኣለዎ።
6 ክልተ ሽሕ ዓመት እኳ ብህይወት እንተ ዚነብር፡ ብገለ ሰናይ ባህ ካብ ዜብል፡ ኩሎምሲ ናብ ሓንቲ ቦታዶ ኣይኮኑን ዚኸዱ።
7 ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን።
8 ጥበበኛ ሓለፋ ዓሻ እንታይ ይጠቅም፡ ኣብ ቅድሚ ህያው ምኻድ ዚፈልጥ ድኻኸ እንታይ ይጠቅም፡
9 ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
10-12 ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደአ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን።

1 ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ።
2 ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፡ እዚ መወዳእታ ኹሉ ሰብ እዩ እሞ፡ እቲ ብህይወቱ ዘሎ ኣብ ልቡ የንብሮ።
3 ገጽ እንተ ሐዘነ፡ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ።
4 ልቢ ጠበብኛታት ኣብ ቤት ሐዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጎስ እዩ።
5 ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ።
6 ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።
7 ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ፡ መማለጃ ኸአ ንልቢ የጥፍኦ።
8 ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእትኡ ይሐይሽ፡ ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
9 ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ።
10 ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ።
11-12 ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህየት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ።
13 ንግብሪ ኣምላኽ ጠምቶ፡ ነቲ ንሱ ዝጎበጦ መንከ የቕንዖ፡
14 ብመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ።
15 ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ አሎ፡ ረሲእ ድማ ብግብሪ እከዩ መዕልትታቱ ዜንውሕ አሎ። ነዚ ኹሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ርኤኽዎ።
16 እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ?
17 እምብዛ ረሲእ ኣይትኹን፡ ዓሻውን ኣይትኹን፡ ስለምንታይ ቅድሚ ጊዜኻ እትመውት?
18 ንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ኹሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።
19 ካብ ኣብ ከተማ ዘለው ዓሰርተ ስልጡናትሲ ጥበብ ንጥበበኛ ተበርትዖ።
20 ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን።
21-22 ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ፡ ንዚዛረብ ዘበለ ኹሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ።
23 ነዚ ኹሉ ጥበብ ተዓዘብክዎ፡ ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ፡ በልኩ፡ ንሳ ግና ካባይ ረሐቐት።
24 እታ ርሕቕትን ኣዝያ ዓማቑንከ መን ኪበጽሓ ይኽእል?
25 ኣነ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥ፡ ክምርምር ክደሊውን፡ ረሲእነትሲ ዕሽነት፡ ዕብዳን ከኣ ጽላለ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ምልስ ኢለ ብልበይ ኣድሀብኩ።
26 ካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸአ መፈንጠራ፡ ኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑ፡ ሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ።
27 እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩ፡ ይብል።
28 ነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሐደ ሰባኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።
29 እንሆ፡ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።

1 ከም ጥበበኛ መን ኢዩ? ምትርጓም ነገር ዚፈልጥከ መን ኢዩ? ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ ድርቅና ገጹ ኸአ ትልውጦ።
2 ኣነ፡ ስለ ማሕላ ኣምላኽ ኢልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሐልዎ፡ እብለካ አሎኹ።
3-4 ቃል ንጉስ ስልጡን እዩ እሞ፡ ንምንታይ እዚ ገበርካ፡ ዚብሎ መን እዩ? እምበኣርሲ ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ እሞ፡ ካብ ገጹ ንምርሓቕ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ እኩብ ነገር ኣይትጽናዕ።
5-6 እቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንኹሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን ኣለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸአ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡
7 ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን እዩ፡ ከመይ ከም ዚኸውን ዚነግሮ ደአ መን እዩ?
8 ሰብ ንንፋስ ኪኽልክሎ ስልጣን የብሉን፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ዚስልጥንውን የልቦን፡ ኣብ ውግእ ከም ምስንባት የልቦን፡ ረሲእነት ነቲ ገባሪኡ ኣየድሕኖን።
9 እዚ ኹሉ ርኤኹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግብሪ ኣቢለ ኸአ ልበይ ኣቕናዕኩ፡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣት ዚስልጥንሉ ጊዜ ኣሎ።
10 ከምኡ ኸአ ረሲኣን ከም እተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝአተውን ርኤኹ። እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ካብታ ቅድስቲ ስፍራ ረሐቑ፡ ኣብታ ኸተማ ኸአ ተረስዑ። እዚውን ከንቱነት እዩ።
11 እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፈርድን እዩ እሞ፡ ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ።
12 ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ እኩይ እንተ ገበረ፡ መዓልትታትውን እንተ ኣንውሔ፡ ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚኾነሎም፡ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ።
13 ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይፈርህን እዩ እሞ፡ ሰናይ ኣይኮነሉን፡ ንመዓልትታቱውን ከም ጽላሎት ገይሩ ኣየንውሕን።
14 ኣብ ምድሪ ዚግበር ከንቱነይ አሎ፡ ከም ግብሪ ረሲኣን ዚበጽሖም ጻድቃን አለው፡ ከም ግብሪ ጻድቃን ዚበጽሖም ረሲኣን ድማ ኣለው። እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ።
15 ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ፡ ንታሕጓስ አመስገንኩ፡ እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ።
16 ሰብሲ ለይትን መዓልትን አዒንቱ ሰለምታ ኣይርእያን እየን እሞ፡ ንጥበብ ክፈልጣ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ውራይ ክርኢ ንልበይ ምስ ኣቕናዕክዎ፡
17 ሽዑ ብዛዕባ ኹሉ ግብሪ ኣምላኽ፡ ሰብ ኪምርምሮ ኢሉ እንተ ጸዐረ፡ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፡ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ግብሪ ኺረኽቦ ኸም ዘይክእል፡ ርኤኹ። ጥበበኛውን ዚፈልጦ እንተ መሰሎ፡ ኪረኽቦስ ኣይክእልን እዩ።

 

1 ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ፡ ነዚ ኹሉ ምእንቲ ኽዕዘብ፡ ንልበይ ኣቕናዕክዎ። ሰብሲ ፍቕሪ ወይስ ጽልኢ ኣይፈልጥን፡ ኩሉ ኣብ ቅድሚኦም እዩ።
2 ኩሉ ንኹሎም ማዕረ ማዕረ ይበጽሖም፡ ንጻድቕን ንረሲእን፡ ንሕያዋይን ንንጹህን ንርኹስን፡ ነቲ ዚስውእን ዘይስውእን፡ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፡፡ ከምቲ ንዚምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዚፈርህ ሓንቲ ብጽሒት እያ እትበጽሖም።
3 እዚ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ንኹላቶም ሓንቲ ብጽሒት ምብጻሕስ እኩይ እዩ። እምበአርሲ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ መሊኡ እዩ፡ ብህይወቶም ከለው ድማ፡ ዕብዳን ኣብ ልቦም አሎ፡ ድሕርዚውን ናብ ምውታት ይኸዱ።
4 ካብ ምውት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ እሞ፡ ነቲ ምስ ኩሎም ህያዋን እተሐባበረ ተስፋ አለዎ።
5 ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምውታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።
6 ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ኸአ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።
7 ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሓጎስ ልቢ ስተ።
8 ክዳውንትኻ ኹሉ ጊዜ ይጻዕዱ፡ ንርእስኻ ድማ ዘይቲ ኣይተጉድለሉ።
9 እዚ ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እትጽዕረሉ ጻዕርን ጊዴኻ እዩ እሞ፡ ብኹለን መዓልትታት ከንቱነትካ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሀበካ ኹለን መዓልትታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጎስ ንበር።
10 ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የሎብን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ኹሉ ብሓይልኻ ግበሮ።
11 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከአ ጉያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞጎስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንኹሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።
12 ሰብ ከኣ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩ እሞ፡ ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፉ ዓሳ፡ ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ፡ ከምኡ ኸአ ደቂ ሰብ ድንገት ምስ ዚወርዶም፡ ብኽፉእ ጊዜ ይፍንጠሩ።
13 ኣነ ኸአ ዓባይ ኮይና እተራእየትኒ ጥበብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ርኤኹ፡
14 ሒደት ዝህዝባ ንእሽቶ ኸተማ ነበረት፡ ዓብዩ ንጉስ መጸ ኸበባ ድማ፡ ኣብ ዙርያኣውን ዓበይቲ ግምብታት ሰርሔ፡
15 ኣብኣ ኸአ ጥበብኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኸበ፡ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሐና፡ ግናኸ ነዚ ድኻ ሰብኣይ ሐደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።
16 ሽዑ ኣነ፡ ካብ ሓይልስ ጥበብ ትሓይሽ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፡ ቃላቱውን ኣይስማዕን እዩ፡ በልኩ።
17 ካብ ጭድርታ እቲ ኣብ ማእከል ዓያሱ ዚገዝእስ ብህድኣት ዚስማዕ ቃል ጥበበኛታት ይበልጽ።
18 ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ፡ ሐደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ የጥፍእ።

 

1 ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ።
2 ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፡ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ጸጋሙ እዩ።
3 ዓሻ ድማ ብመገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ኣእምሮስ የብሉን፡ ንኹሉውን ዓሻ ምዃኑ ይነግር።
4 መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
5 ከምቲ ኻብ ገዛኢ ዝወጸ ጌጋ ኣብ ትሕቲ ዝርኤኽዎ እከይ ኣሎ፡
6 ዕሽነት ኣብ ልዑል መዓርግ ተቐሚጣ፡ ሃብታማትውን ኣብ እተዋረደ ስፍራ ኾፍ ኢሎም፡
7 ባሮት በፍራስ፡ መሳፍንቲ ኸአ ከም ባሮት ምድሪ ምድሪ ኪኸዱ ኸለው ርኤኹ።
8 ጉድጓድ ዚኹዕት አብኣ ይወድቕ፡ መካበብያ ዜፍርስ ተመን ይነኽሶ።
9 ኣእማን ዚፈናቕል ብእኡ ይጉዳእ፡ ዕጨይቲ ዚፍልጽ ከአ፡ ኣብ ድንገት እዩ።
10 ሓጺን እንተ ጎደመ፡ ንብልሑ ኸአ እንተ ዘይሰሓልካዮ፡ ሓይልኻ ብዙሕ ይደክም። ጥበብ ግና ንምስላጥ ይጠቅም።
11 ተመን ከይተዐዘመ ኸሎ እንተ ነኸሰ፡ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።
12 ቃላት ኣፍ እቲ ጥበበኛ ሞጎስ አለዎ፡ ዓሻ ግና ከናፍሩ ይውሕጦ።
13 መጀመርታ ቓላት ኣፉ ዕሽነት፡ መወዳእታ ዘረባኡ ድማ ሕሱም ዕብዳን እዩ።
14 ዓሻስ ቃላት የብዝሕ ሰብ ግና ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ደአ መን ይነግሮ፡
15 ዓሻ ናብ ከተማ ምኻድ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ።
16 ኣቲ ሃገር፡ ንጉስኪ ቖልዓ ዝኾነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዚበልዑ፡ ወይለኺ።
17 ኣቲ ሃገር፡ ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፡ ሓይሊ ኺረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዚበልዑ፡ ብጽእቲ ኢኹ።
18 ብሰሪ ትህኪትሲ ናሕሲ ይንሀል፡ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው ከአ ቤት ይነጥብ።
19 ድግስ ንሳሕቂ ይሳናዶ፡ ወይኒ ኸአ ንህይወት የሐጉሳ፡ ኩሉውን ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ።
20 ኣዕዋፍ ሰማይ ንድምጽኻ ይዘርዋኦ፡ ኣኽናፍ ዘለዎ ኸአ ነቲ ቓል የውርዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትርገሞ፡ ንሃብታምውን ኣብታ እትድቅሰላ ቤት ኣይትርገሞ።

 

1 ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ክትረኽቦ ኢኻ።
2 ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ሾብዓተ፡ ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎ።
3 ደበናስ ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ኦም ከአ ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን ኣቢላ እንተ ወደቐት፡ እታኦም ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣብኡ ትነብር።
4 ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ።
5 ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጠን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ኹሉ ዝገበረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ።
6 ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር።
7 ብርሃን ጥዑም እዩ፡ ኣዒንቲ ንጸሃይ ኪጥምታአ ኸለዋ ኸአ ባህ ይብለን።
8 ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ አነበረ፡ ብኹላተን ይተሐጎስ፡ ግናኸ እተን መዓልትታት ጸልማት ከም ዝበዝሓ ይዘክር። እቲ ዚመጽእ ዘበለስ ኩሉ ኸንቱነት እዩ።
9 ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሖጉስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ።
10 ንእስነትካ ብጽሕነትን ከንቱነትን እዩ እሞ፡ ስለዚ ጓሂ ልብኻ፡ ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቆ።

 

1 ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
2 ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡
3 በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርቱዓት ሰብኡት ዚጉብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩረላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳኹቲ ዚጽልምቱላ፡
4 ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡
5 ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ።
6 ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡
7 መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።
8 ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኩሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺ።
9 ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ፡ ኣስተንተነ፡ መርመረ፡ ብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ።
10 እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ።
11 ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸአ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸአ እዩ።
12 ብዝተረፈ፡ ወደየ፡ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕ።
13 መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።
14 ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Cresta Help Chat
Send via WhatsApp
Translate »