ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ሩት (Ruth)

መጽሓፍ ሩት ሩት ሩትን ዖርጳን ዚበሃላ ኽልተ ኣንስቲ ሞኣብ ነቶም ኣብ ይሁዳ ጥሜት ኬምጽኡ ኢሎም ኣብ ሞኣብ ዚነብሩ ዝነበሩ ኤሊሜሌክን ናእሚን ዚበሃሉ ኽልተ ደቂ ይሁዳ ኸም ዝምርዓዋ እያ እትገልጽ። ሰብኡት ሰለስቲአን ኣንስቲ ይሓልፋ፣ ናእሚ ናብ ቤታ ቤት-ልሄም ተመሊሳ ኣንስቲ ደቃ ናብ ቤተን ኪምለሳ ደለየት። ዖርጳ ኸምኡ ገበረት ሩት ግን ንናእሚ ሓዲጋ “ናብቲ እትኸዶ ክኸይድ እየ” ብምባል ነጸገቶ(ሩት 1 16–17) ኣብ እትሓድረሉ ቦታ ኽሓድር እየ፣ ህዝብኻ ህዝበይ ኣምላኽካ ድማ ኣምላኸይ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ንስኻ እትሞተሉ ኣነ ኽመውት እየ ኣብኡ ድማ ክቕበር እየ” በሎ። ሩት ንናእሚ ኣሰንያ ናብ ቤት-ልሄም ከደት ጸኒሓ ኸኣ ነቲ ቦኣዝ ዚበሃል ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ዘመድ ሓሙኣ ተመርዕያቶ።

መጽሐፈ ሩት (Ruth)

1 ኰነ ድማ፡ በቲ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደ።
2 ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸአ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከአ ኣብኣ ተቐመጡ።
3 ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት።
4 ንሳቶም ከአ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ፡ ስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣብኡ ተቐመጡ።
5 ማሕሎንን ኪልዮንን ከኣ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት።
6 ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖም፡ እንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት።
7 ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸአ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳ።
8 ናእሚ ኸአ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃ፡ ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበር።
9 ነፍሲ ወከፍክን ከአ ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከአ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡
10 ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ንምለስ በላኣ፡
11 ናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳ፧ ተመለሳ ደአ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፧
12 ደቀየ፡ ሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደአ ተመለሳ። ተስፋ ኣሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶ፡ ኣወዳት ከአ ኣንተ ዝወልድ፡
13 ንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፧ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፧ ኣይፋልክን ደቀየ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን።
14 ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርጳ ንሓማታ ስዐመታ፡ ሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት።
15 ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃ፡ ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ፡ በለታ።
16 ሩት ግና፡ ሓዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸአ እሓድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ።
17 ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸአ ይወሰኸኒ በለት።
18 ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየት፡ ምዝራባ ሓደገት።
19 ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸአ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸአ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧ በላ።
20 ንሳ ድማ፡ እቲ ኹሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ።
21 ኣነ መሊኤ ኸድኩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይ፡ እቲ ኹሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን፧ በለተን።
22 ናእሚ ድማ ተመልሰት፡ ሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸአ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ።

1 ንናእሚ ድማ ቦአዝ ዚብሀል ሃብታም ስልጡን ሰብኣይ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዘመድ ሰብኣያ ነበረ።
2 ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ዝረኽበሉ ስዒበ ኣብ ግራት ከይደ ክቕርም ሕደገኒ በለታ። ንሳ ኸአ ኪዲ ጓለይ፡ በለታ።
3 ንሳ ድማ ከይዳ ናብ ግራት ኣትያ፡ ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ትቐርም ነበረት። እቲ ግራት እቲ ኸአ ብገርሃ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝነበረ ቦኣዝ ኮነላ።
4 እንሆ ድማ፡ ቦኣዝ ካብ ቤት-ልሄም መጺኡ ነቶም ዓጻዶ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በልዎ።
5 ቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበረ ጊልያኡ፡ እዛ መርዓት እዚኣ ናይ መን እያ፧ በሎ።
6 እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያኡ ኸአ፡ ንሳ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት መርዓት እያ።
7 ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፡ ቀሪም ክአሪ ሕደገኒ በለት። ንግሆ ምስ መጸት ክአ ክሳዕ ሕጂ ደው ኢላ ኣላ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ቕሩብ ጊዜ እያ ዝጸንሔት፡ ኢሉ መለሰ።
8 ሽዑ ቦኣዝ ንሩት ጓለይ ኣይሰማዕክንዶ፧ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፡ ምስ እዘን ግዙኣተይ ደአ ልገቢ እምበር፡ ካብዚ ኣይትሕለፊ።
9 ናብቲ ዚዐጽድዎ ግራት ርኣዪ እሞ፡ ደድሕሪኦም ስዐቢ። ነቶም ግዙኣትሲ ኸይትንክዮኺ ኣዚዘዶ ኣይኮንኩን፧ ምስ ጸማእኪ ድማ፡ ናብቲ ዕትሮታት ኬድኪ ኻብቲ እቶም ግዙኣት ዝቐድሕዎ ስተዪ፡ በላ።
10 ሽዑ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፡ ኣነ ወሰንተኛ ኽንሰይሲ፡ ንኣይ ኽትፈልጠኒ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ረኸብኩ፧ በለቶ።
11 ቦኣዝ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገብርክዮ፡ ኣቦኽን ኣዴኽን እተወለድክላ ምድርን ከም ዝሐደግኪ፡ ቅድሚ እዚ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ከም ዝመጻኣኪ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ ኣለዉ።
12 እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ፡ ዓስብኺ ኸአ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትጽግዕዮ ኢልኪ መጺእኪ ዘሎኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን፡ ኢሉ መለሰላ።
13 ንሳ ኸአ፡ ጐይታየ፡ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፡ ንልቢ ግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻስ ሞጎስ እርከብ በለት።
14 ቦኣዝ ድማ በታ ጊዜ ምሳሕ፡ ናብዚ ቕረቢ እሞ ካብዚ እንጌራ ብልዒ፡ ቑራስኪ ኸአ ኣብዚ መጺጽ ጥለቒ በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓጻዶ ተቐመጠት፡ ጥቡስ ሰዊት ከአ ሀባ፡፡ ንሳ ድማ በልዔት፡ ጸጊባውን ኣትረፈት።
15 ክትቅርም ምስ ተንስኤት ድማ፡ ቦአዝ ነቶም ግዙኣቱ፡ ኣብ ማእከል እንዳእቲ ትቐርም ኣይተሕፍርዋ።
16 ካብ ዕትርቲ መዝሒቕኩም ከአ ክትኣርዮ ሕደጉላ፡ ኣይትኾርዩላውን፡ ኢሉ ኣዘዞም።
17 ካብቲ ግራት ከአ ክሳዕ ምሸት ቀረመት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፡ ሓደ ኤፋ ዚአክል ስገም ድማ ኾነ።
18 ጾይራቶ ኸአ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ሓማታ ድማ እቲ ዝቐረመቶ ረአየቶ፡ እቲ ተረፍ ጽጋባውን ኣውጺኣ ሀበታ።
19 እታ ሓማታ ኸአ፡ ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ ኣበይከ ዓዪኺ፡ እቲ እተላለየኪ ብሩኽ ይኹን፡ በለታ። ንሳ ኸአ ምስ መን ከም ዝዐየየት፡ ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝዐየኹ ሰብኣይ ቦአዝ እዩ፡ ኢላ ንሓማታ ነገረታ።
20 ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ፡ ንሱ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘይገደፈ፡ እግዚኣብሄር ይባርኮ፡ በለት። ናእሚ መሊሳ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ መቕረባና እዩ፡ ንሱ ኻብቶም ዚወርሱና እዩ፡ በለታ።
21 ሩት እታ ሞኣባዊት ከአ፡ ንሱስ ብዘሎ ዓጺደይ ክሳዕ ዚውድኡ ምስቶም ግዙኣተይ ልገቢ ኢሉኒ፡ በለታ።
22 ናእሚ ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ፡ ጓለይ፡ ኣብ ካልእ ግራት ማንም ከይትንክየክስ፡ ምስተን ግዙአቱ ኽትወጺ ጽቡቕ እዩ፡ በለታ።
23 ዓጺድ ስገምን ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዚውዳእ ከአ፡ ነተን ግዙኣት ቦኣዝ ስዒባ ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።

 

1 ናእሚ ሓማታ ድማ በለታ፡ ጓለይ፡ ምእንቲ ብድሓን ክትነብርስ፡ ዕረፍቲ ደይኮንኩን ዝደልየልኪ ዘሎኹ፧
2 ሕጂ ኸአ እቲ ምስተን ግዙኣቱ ዝነበርኪ ቦኣዝ፡ ዘመድናዶ ኣይኮነን፧ እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ የዝሩ ኣሎ።
3 እምበአርሲ ተሓጺብክን ተለኺኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዚውድእ ግና፡ ነቲ ሰብኣይ ኣይተረአዮ።
4 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ ዚድቅስ እታ ዚድቅሰላ ቦታ ፍለጢ፡ መጺእኪ ድማ ብሸነኽ እግሩ ቀሊዕኪ ደቅሲ። ንሱ ኸአ እተገብርዮ ኺነግረኪ እዩ።
5 ንሳ ድማ፡ ዝበልክኒ ኹሉ ኽገብር እየ፡ በለታ።
6 ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፡ ከምቲ ሐማታ ዝአዘዘታ ኹሉ ገበረት።
7 ቦአዝ ከአ በሊዑን ሰትዩን ልቡ ምስተሓጎሰ፡ ኣብ ጸግዒ ቕሚጦ ኺድቅስ ከደ። ሽዑ ንሳ ቀስ ኢላ መጸት፡ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዓ ድማ ደቀሰት።
8 ኮነ ኸአ፡ ፍርቂ ለይቲ እቲ ሰብኣይ ሰምቢዱ ተገምጠለ፡ እንሃ ድማ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት።
9 ንሱ ኸአ፡ መን ኢኺ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ወራሲ ኢኻ እሞ፡ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ፡ በለት።
10 ንሱ ኸአ በላ፡ ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።
11 ሕጂ ድማ ጓለይ ኣይትፍርሂ፡ ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ኹላ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኹሉ ኽገብረልኪ እየ።
12 ሕጂ ኸኣ ኣነ ወራሲ ምኻነይሲ ሓቂ እዩ፡ ግናኸ ካባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።
13 ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ንሱ እንተ ወረሰኪ ጽቡቕ፡ ይውረስ። ኪወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣነ ኽወርሰኪ እየ። ክሳዕ ዚወግሕ ደቅሲ።
14 ክሳዕ ዚወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመጸት ኣይፈለጥ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ገና ሰብ ምስ ብጻዩ ኸይተላለየ ኣንጊሃ ተንስኤት።
15 ቦአዝ ግና፡ እቲ ተኸዲንክዮ ዘሎኺ ነጸላ ኣቕሪብኪ ዘርግሕዮ በላ። ዘርግሓቶ ድማ። ንሱ ኸአ ሽዱሽተ መስፈር ስገም ሰፈረላ፡ ኣሰከማ ድማ። ናብ ከተማ ኸአ አተወት።
16 ናብ ሓማታ ምስ አተወት ድማ፡ ንሳ ከመይ ኢኺ ጓለይ፧ በለታ። ንሳ ኸአ እቲ ሰብኣይ ዝገበረላ ኹሉ ነገረታ።
17 ኣብ ሓማትኪ ጥራይ ኢድኪ ኸይትአትዊ ኢሉ፡ እዚ ሽድሽተ መስፈር ስገም እዚ ሂቡኒ፡ ድማ በለት።
18 ንሳ ኸአ፡ እቲ ሰብኣይ ነዚ ነገርዚ ሎሚ ኸይውድኦ ኣይዐርፍን እዩ እሞ፡ እቲ ነገር ከመይ ከም ዚውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ በለታ።

 

1 ቦአዝ ድማ ናብ ደገ እታ ኸተማ ደይቡ ኣብኣ ኾፍ በለ። እንሆ ኸአ፡ እቲ ቦአዝ ብዛዕባኡ እተዛረበሉ ወራሲ ይሐልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ፡ ኣታ መን ኢኻ፧ ኣልግስ እሞ ኣብዚ ተቐመጥ፡ በሎ። ንሱ ኸአ ኣግሊሱ ተቐመጠ።
2 ቦአዝ ድማ ካብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንሳቶም ከአ ተቐመጡ።
3 ሽዑ ነቲ ወራሲ፡ እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ኽፍሊ ምድሪ ኤሊሜሌክ ሓውና፡ ክትሸጦ ደልያ።
4 ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጐ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩ። ብጀካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ኸአ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ዄንካ ውረስ፡ ዘይትወርስ እንተ ዄንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ክወርስ እየ በለ።
5 ቦኣዝ ድማ፡ በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ፡ ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተቕውም፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት፡ ሰበይቲ እቲ ምዉት ከአ ክትዕድጋ ኢኻ በለ።
6 እቲ ወራሲ ድማ፡ ርስተይ ከየባላሹ ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለ።
7 ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውራስን ኣብ ለውጥን፡ ኩሉ ነገር ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።
8 እቲ ወራሲ ኸአ ንቦአዝ፡ ንስኻ ዐድጎ በሎ። ሳእኑ ድማ ኣውጽኤ።
9 ቦአዝ ከአ ነቶም ዓበይትን ንኹሉ ህዝብን፡ ናይ ኤሌሜሌክ ዝነበረ ኹሉ ናይ ኪልዮንን ናይ ማሕሎንን ዝነበረ ድማ ኹሉ ካብ ኢድ ናእሚ ኸም ዝዐድግክዎ፡ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።
10 ድማ ስም እቲ ምዉት ካብ ማእከል ኣሕዋቱን ካብ ደገ ቦታኡን ከይጠፍእ፡ ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ፡ ንሩት፡ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፡ ሰበይተይ ክትኮንኒ ኸም ዝዐደግክዋ፡ ሎሚ ምስክር ኢኹም በሎም።
11 እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኹሎም ህዝብን እቶም ዓበይትን ከአ፡ ምስክር ኢና፡ ነዛ ናብ ቤትካ እትአቱ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ከምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ፡ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸኣ ሰልጥን፡ ኣብ ቤት-ልሄምውን ስሙይ ኩን።
12 እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መርዓት እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡ እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለድትሉ ትኹን በሉ።
13 ሽዑ ቦአዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣ ኸአ አተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ጥንሲ ሀባ። ወዲውን ወለደት።
14 እተን ኣንስቲ ኸአ ንናእሚ፡ ሎሚ ወራሲ ዘይከልአኪ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ስሙ ኣብ እስራኤል ይሰመ።
15 እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪኾነኪ እዩ በላኣ።
16 ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶ፡ መጕዚቱውን ኮነት።
17 እተን ጎረባብታ ኸአ፡ ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ፡ ኢለን ስም ኣውጽኣሉ ስሙ ኸአ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት እዩ።
18 ትውልዲ ፋሬስ ከአ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ።
19 ኤስሮም ድማ ንራም ወለደ፡ ራም ከአ ንኣሚናዳብ ወለደ።
20 ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከአ ንሰልሞን ወለደ።
21 ሰልሞን ድማ ንቦአዝ ውለደ፡ ቦኦዝ ከአ ንእዮቤድ ወለደ።
22 እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደ፡ እሴይ ከአ ንዳዊት ወለደ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...