ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ሳሙኤል ቀዳማዊ ( 1 Samuel)

እስራኤላውያን ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ኣምላኽ ሓበሬታ ኣይነበሮምን ። እቶም ካህናት ብልሹዋት እዮም። ጐረባብቲ ሃገራት ንድሕንነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእትየን እየን። እቲ ሊቀ ኻህናት ንእስራኤል ዝነበረ ኤሊ እውን ከይተረፈ ንኣምላኽን ነቲ ህዝብን ኣብ ምግልጋል ትውክልቲ ዝግበሮ ኣይኰነን። እስራኤል ካብ ፈራዲ ንላዕሊ እዩ ዚደሊ ነይሩ ። እስራኤላውያን እንደገና ኻብ ኣምላኽ ኪሰምዑ የድልዮም ነበረ ። እስራኤል ነብዪ የድልዮ ነበረ ። ስለዚ ኣምላኽ ንሳሙኤል ሃቦም ። ሳሙኤል ነብዪን ፈራድን እዩ ነይሩ ። ቃል ጐይታ ንሰባት ይዛረቦም ከም ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም ብኸመይ ከም ዚነብሩ ድማ ይምህሮም ። ሳሙኤል ምስ ኣረገን ጸላእቲ እስራኤል ምስ ኣጥቅዕዎን ግን እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል ንጉስ ኪሸሞ ሓተትዎ። ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ኣብ ሰብኣዊ ንጉስ ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኽ ኪውከሉ ኣዘዞም፣ እቶም ህዝቢ ግና ኣይሰምዑን፣ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪገዝኡን ካብ ጸላኢ ኼድሕንዎምን ቈሪጾም ነበሩ። ስለዚ ኣምላኽ ሳኦል ኢሉ ሸሞም ። ሳኦል ዓሻ ንጉስ እዩ ነይሩ። ንቓል ጐይታ ጠቢቑ ብምስዓብ ስምረት ሰባት ኪረክብ ሃረር ይብል። ንኣምላኽ ብተደጋጋሚ ይእዘዞ ሓላፍነታቱ ይፍጽም ነቶም ህዝቢ ድማ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕዶምን ኣብ ሓደጋ የእትዎም።

መጽሐፈ ሳሙኤል ቀዳማዊ (1 Samuel)

1 ኣብ ራማታይም-ጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬም፡ ኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ፡ ወዲ የሩሓም፡ ወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ።
2 ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።
3 እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኺሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ።
4 እታ ኤልቃና ዚስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሀቦም።
5 ንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሀባ።
6 እግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት።
7 ንሳ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዚገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ ኸኣ በኸየት፡ ኣይበልዔትን ድማ።
8 ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያ፡ ሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ፡ እንታይከ ኼንኪ ዘይትበልዒ፡ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ ኣሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧ በላ።
9 ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስኤት። ካህን ኤሊ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡
10 ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡
11 ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደአ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።
12 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ።
13 ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበ።
14 ኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ፡ ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ፡ በላ።
15 ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን፡ ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ።
16 እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርአየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ።
17 ሽዑ ኤሊ፡ ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሃብኪ፡ ኢሉ መለሰ።
18 ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብ፡ በለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዔትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።
19 ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉ። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣ፡ እግዚኣብሄርውን ዘከራ።
20 ኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋ፡ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ።
21 እቲ ሰብኣይ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ደየበ።
22 ሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤ፡ ከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ፡ በለቶ።
23 ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደአ ዘረባኡ ይፈጽሞ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት።
24 ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቖልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ።
25 ነቲ ዝራብዕ ሐሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ።
26 ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ።
27 ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።
28 ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።

1 ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፡ ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ ኣሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ ኣሎ።
2 ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡
3 እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡
4 ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ፡
5 እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመት።
6 እግዚኣብሄር ይቐትል፡ የሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ፡ የውጽእ ድማ።
7 እግዚኣብሄር የድኪ፡ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል።
8 ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉ፡ ምስ መኳንንቲ የቐምጦም፡ ዝፋን ክብሪውን የውርሶም።
9 ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም።
10 እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡ ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።
11 ኤልቃና ድማ ናብ ቤቱ ንራማ ኸደ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ዀይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
12 ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን።
13 እቶም ካህናት ኣብቲ ህዝቢ እዚ ልማድ እዚ ነበሮም፡ ዝዀነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ ምስ ዚስውእ፡ ገና እቲ ስጋ ኺበስል ከሎ፡ ጊልያ እቲ ኻህን ሰለስተ ዘጻብዑ ሻኳ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡
14 ናብ ቊራዕ ወይ ናብ መቚሎ ወይ ናብ ድስቲ ወይ ናብ ጻሕሊ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዐሎ ዘበለ፡ እቲ ኻህን ንርእሱ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሺሎ ዚመጹ ዅሎም እስራኤላውያን ከምኡ ይገብርዎም ነበሩ።
15 ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ ኸለዉውን፡ ጊልያ እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መጺኡ፡ እቲ ኻህን ብርንዶ ደኣ እምበር፡ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፡ ዚጥበስ ስጋ ሀበኒ፡ ይብሎ ነበረ።
16 ሽዑ እቲ ሰብኣይ፡ ቅድም እቲ ስብሒ ፍጹም ይሕረር፡ ደሓር ነፍስኻ ዝደለየቶ ውሰድ፡ እንተ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋል ሕጂ ደኣ ሀበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኽወስድ እየ፡ ይብሎ ነበረ።
17 እቶም ሰባት በዚ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት እቶም መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ።
18 ግናኸ ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኤፎድ ተዐጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
19 ኣዲኡ ድማ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ገበረትሉ፡ እቲ ናይ ዐዓመት መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውእ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ ከላ፡ በብዓመት ተምጽኣሉ ነበረት።
20 ኤሊ ድማ ንኤልቃናን ንሰበይቱን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር እተወፈየ ውፉይ፡ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሀብካ፡ ኢሉ መረቖም። ናብ ቦታኦም ከኣ ኸዱ።
21 እግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓ፡ ጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ወለደት። ሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየ።
22 ኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ፡ እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለዉ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዚድቅስወንን ሰምዔ።
23 ንኣታቶም ከኣ፡ እዚ ኻብ ብዘሎ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘሎኹ ኽፉእ ግብርኹምሲ ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ነገር ትገብርዎ ዘሎኹም፧
24 ኣይፋልኩም ደቀየ፡ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ገሃሲ ትገብርዎ ኣሎኹም እሞ፡ እዚ ኣነ ዝሰምዖ ዘሎኹ ወረስ ጽቡቕ ኣይኰነን።
25 ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ፡ ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልዶ፧ በሎም። እግዚኣብሄር ኪቐትሎም ስለ ዝደለየ ግና፡ ዘረባ ኣቦኦም ኣይሰምዑን።
26 ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ።
27 ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፈርኦን ከለዉ፡ ንቤት ኣቦኻ ብርግጽዶ ኣይተገለጽኩላን እየ፧
28 ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ ዕጣን ኪዐጥን፡ ኣብ ቅድመይውን ኤፎድ ኪጸውር ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤልዶ ንኣይ ሐርየዮ ኣይኰንኩን፧ ኵሉ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊኸ ንቤት ኣቦኻዶ ሂበዮ ኣይኰንኩን፧
29 ነቲ ኣብ ማሕደረይ ኪቕረብ ዝአዘዝኩ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ደኣ ስለምንታይ ኢኹም እትረግጽዎ ዘሎኹም፧ ካብ ኵሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኽትሰብሑስ፡ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ፧
30 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ ብርግጽ ኢለዮም ነበርኩ፡ ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም እሞ፡ እዝስ ካባይ ይርሐቕ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
31 እንሆ፡ ኣብ ቤትካ ኣረጊት ምእንቲ ኸይርከብ፡ ቅልጽምካን ቅልጽም ቤት ኣቦኻን ዝሰብረለን መዓልታት ኪመጻ እየን።
32 በቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕስ፡ ኣብ ማሕደረይ ሽጋር ክትርኢ ኢኻ፡ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ኣረጊት ኣይርከብን።
33 እቲ ኣነ ኻብ መሰውእየይ ዘይቈርጾ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምሕቃቕ ነፍስኻውን ንምምህማን ኪኸውን እዩ። ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለ ኸኣ ብጕብዝናኡ ኺመውት እዩ።
34 እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ዚመጽእ፡ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኺሞቱ እዮም፡ እዚ ምልክት ኪዀነካ እዩ።
35 ኣነ ኸኣ ከም ልበይን ከም ነፍሰይን ዚገብር እሙን ካህን ከተንስእ እየ፡ ንእኡ ድልድልቲ ቤት ክሰርሓሉ እየ፡ ንሱውን ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚ መሲሄይ ኪመላለስ እዩ።
36 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቤትካ ዝተረፈ፡ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ሓንቲ እዛም እንጌራን ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግድ እዩ። ቊራስ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት ኰታ ግበረኒ፡ ድማ ኺብሎ እዩ።

1 ሳሙኤል እቲ ቘሎዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረን።
2 ኰነ ኸኣ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኤሊ ኣብ ስፍራኡ ደቂሱ ኸሎ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዚስእን ኣዒንቱ ሐሚቐን ነበራ፡
3 መብራህቲ ኣምላኽ ከኣ ገና ኸይጠፍኤ ኸሎ፡ ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ እግዚኣብሄር ተገምሲሱ ኸሎ፡
4 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ጸዎዖ፡ ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።
5 ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ፡ በለ። ከይዱ ኸኣ ደቀሰ።
6 እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደቅስ፡ በለ።
7 ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈለጦን ነበረ፡ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገልጸሉን ነበረ።
8 እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ሳልሳይ ሳዕ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ሽዑ ኤሊ፡ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝጸውዖ አስተውዐለ።
9 ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል በሎ፡ ኪድ ደኣ ደቅስ፡ ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እንተ ጸውዓካ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተዛረብ፡ በል። ሳሙኤል ከኣ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።
10 እግዚኣብሄር ድማ መጸ፡ ደው ኢሉ ኸኣ ከምቲ ኻልእ ጊዜታት፡ ሳሙኤል፡ ሳሙኤል፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ፡ በለ።
11 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዚሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ዜብል ነገር ክገብር እየ።
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤሊ ብዛዕባ ቤቱ እተዛረብክዎ ዘበለ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽገብሮ እየ።
13 እቶም ደቁ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጽኡ እናፈለጠስ፡ ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለ፡ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርደላ፡ ኣፍሊጠዮ እየ እሞ፡
14 ስለዚ ኸኣ ንቤት ኤሊ፡ እቲ በደል ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ብልዒ ንዘለኣለም ኣይዕረቕን እዩ፡ ኢለ ምሒለ እየ።
15 ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዚወግሕ ደቂሱ መዓጹ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። ሳሙኤል እቲ ራእዩ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሄ።
16 ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ ሳሙኤል ወደይ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ።
17 ኤሊ ድማ፡ እቲ እተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ፧ በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሰውሮ። ካብቲ እተዛረበካ ዅሉ ነገር ገለ ዘረባ እንተ ሓባእካለይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምኡውን ይድገምካ፡ በለ።
18 ሽዑ ሳሙኤል፡ ካብኡ ገለ ኸይሐብኤ፡ ኵሉ እቲ ዘረባ ነገሮ። ኤሊ ድማ፡ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር፡ በለ።
19 ሳሙኤል ከኣ ዐበየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ እሞ፡ ካብቲ ዅሉ ዘረባኡ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን።
20 ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ድማ፡ ሳሙኤል እሙን ነብዪ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ።
21 እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሊሱ ኣብ ሺሎ ተራእዮ።

1 ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል መጸ። እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ወጸ፡ ኣብ ኤብን-ዔዘር ከኣ ሰፈረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።
2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ ገፍሔ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ተሳዕሩ፡ ኣብቲ እተሰለፉሉ መሮር ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ።
3 እቲ ህዝቢ ናብ ሰፈሩ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ስለምንታይ ኰን እዩ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ዝሰዐረና፡ እምበኣርሲ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ንሱ ኣብ ማእከልና ዀይኑ ካብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ኼድሕነና፡ ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮ፡ በሉ።
4 እቲ ህዝቢ ናብ ሺሎ ልኢኹ ኸኣ፡ ካብኣ ነቲ ታቦት ኪዳን፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምጽእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ።
5 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ አተወ፡ ብዘለዉ እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እተንደቕድቕ ብዙሕ እልል በሉ።
6 ፍልስጥኤማያን ከኣ ነቲ ድምጺ እልልታ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ኣብ ሰፈር እብራውያን ዘሎ ድምጺ ብዙሕ እልልታስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ከም ዝአተወ ኸኣ ፈለጡ።
7 ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽ ናብ ሰፈር መጺኡ እዩ፡ ኢሎም ብዙሕ ፈርሁ። በሉ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣይኰነን እሞ ወይለና።
8 ንግብጻውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ በረኻ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ወይለና፡ ካብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ኬድሕነና እዩ፧
9 ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፡ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ባሮት እብራውያን ከይትዀኑስ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ እወ ሰብኡት ኩኑ፡ ተዋግኡ።
10 ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፡ እስራኤል ከኣ ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ። እቲ ውግእ ኸኣ ኣዝዩ በርትዔ እሞ፡ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።
11 ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማረኸ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፎንን ፊንሃስን፡ ከኣ ሞቱ።
12 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱውን ሓመድ ነስኒሱ ኻብቲ ውግእ ጐይዩ ናብ ሺሎ መጸ።
13 ንሱ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ልቡ ተጨኒቑ ነበረ እሞ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ ኸኣ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይዋይ በለት።
14 ኤሊ ድማ ድምጺ እቲ ዋይዋይታ ምስ ሰምዔ፡ እዚ ድምጺ ታዕታዕሲ እንታይ ኰን እዩ፧ በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኤሊ መጺኡ ነገሮ።
15 ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሾሞንተን ዓመት ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ኣዒንቱ ፈዚዘን፡ ኪርኢ ኣይከአለን።
16 እቲ ሰብኣይ ንኤሊ፡ እቲ ኻብ ውግእ ዝመጸ ኣነ እየ፡ ኣነ ኻብቲ ውግእ ሀደምኩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ወደየ፡ ነገሩ እሞ ከመይ ኰነ፡ በለ።
17 እቲ መውረዪ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ብዙሕ ሰብውን ተወድኤ፡ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶም፡ ታቦት ኣምላኽውን ተማሪኹ፡ ኢሉ መለሰ።
18 ኰነ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ምስ ዘከረሉ፡ ኤሊ ኣሪጉ ከቢዱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጐቦ እቲ ደገ ንድሕሪት ኣቢሉ ኻብ መንበሩ ወደቐ፡ ክሳዱ ተሰቢሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ፈሪዱ እዩ።
19 ሰበይቲ ፊንሃስ ወዱ ድማ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ ከም እተማረኸ፡ ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዔት፡ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ተምበርኪኻ ወለደት።
20 ክትመውት ከላ ኸኣ፡ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ዝበላ ኣንስቲ፡ ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ በላኣ። ንሳ ግና ገለ ኣይመለሰትን፡ ኣብ ልባውን ኣየእተወቶን።
21 እዚ ማለታ፡ ታቦት ኣምላኽ ስለ እተማረኸ፡ ብምኽንያት ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐ፡ ኢላ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ ሰመየቶ።
22 ንሳ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐ፡ በለት።

 

1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ካብ ኤብን-ዔዘር ናብ ኣሽዶድ ኣምጽእዎ።
2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት ዳጎን ኣእተውዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ።
3 ኣሽዶዳውያን ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ንዳጎን ወሲዶም ከኣ ናብ ስፍራኡ መለስዎ።
4 ንጽብሒቱ ወጋሕታ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ፡ ርእሲ ዳጎንን ክልቲኤን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን ኣብ ልዳት ወዲቐን ነበራ። ዳጎን እቲ ማእከሉ ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ።
5 ስለዚ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ልዳት ዳጎን ካህናት ዳጎን ኰኑ ወይ ናብ ቤት ዳጎን ዚአትዉ ዅሎም ክሳዕ ሎሚ ኣይረግጽዋን እዮም።
6 ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶም፡ ንኣሽዶድን ንዶባታን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም።
7 እቶም ሰብ ኣሽዶድ ከኣ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምስ ረአዩ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ዳጎን ኣምላኽናን ጸኒዓ እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር፡ በሉ።
8 ልኡኻት ሰዲዶም ከኣ ንዅሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ፡ በሉ። ንሳቶም ከኣ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጋት የልግስ በሉ፡ ስለዚ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኣ ኣግለስዎ።
9 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ኣግለስዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብታ ኸተማ ንኣዝዩ ዓብዪ ዕግርግር ኰነት፡ ንሰብ እታ ኸተማ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ወቕዖም፡ ሕበጥ ድማ ወጾም።
10 ሽዑ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ሰደድዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ምስ መጸ፡ እቶም ዔቅሮናውያን፡ ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኪቐትሉናስ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምጺኦምልና፡ ኢሎም ጨርሑ።
11 ኢድ ኣምላኽ ከኣ ኣብአ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደ፡ ንብዘላ እታ ኸተማውን ፍርሃት ሞት ስለ ዝሓዛ፡ ልኢኾም ንዅሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ እዚ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቀትለናስ፡ ስደድዎ፡ ናብ ስፍራኡ ኸኣ ይመለስ፡ በሉ።
12 እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፡ ብኽያት እታ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ሰማይ ደየበ።

1 እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ወርሒ ነበረ።
2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ጸዊዖም፡ ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ፧ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና፡ በሉ።
3 ንሳቶም ድማ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፡ ጥራዩ ኣይትስደድዎ፡ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፡ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፡ ኢዱውን ካባኻትኩም ዘይምግላሳ ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኺፍለጠኩም እዩ፡ በሉ።
4 ንሳቶም ከኣ፡ እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፡ በሉ። ንሳቶም ድማ በሉ፡ እቲ መዓት ንዅላትኩምን ንሹማምትኹምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፡ ከም ቊጽሪ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሓሙሽተ ሕበጥ ወርቅን ሓሙሽተ ኣንጭዋ ወርቅን እዩ።
5 እምበርኣርሲ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናጹኹምን ግበሩ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሀብዎ፡ ምናልባሽ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ።
6 ከምቲ ግብጻውያንን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣሎኹም፧ ኣባታቶም ሓይሊ ምስ ገበረ ደይኰኑን ይኺዱ ዝሐደግዎም፡ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ፧
7 ሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩም፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለን፡ ዜጥብዋ ኽልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቚረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕሪኤን ናብ ቤት ምለስወን።
8 ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፡ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጎቦኡ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ስደድዎ።
9 ርአዩ ድማ፡ ብመገዲ ሃገሩ ኣቢሉ ናብ ቤት-ሸመሽ እንተ ደየበ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፉእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ንሱስ ብኸምኡ ደአ መጺኡና እምበር፡ እዚ መዓት እዚ ኢዱ ኸም ዘየውረደትልና ኽንፈልጥ ኢና፡ በሉ።
10 እቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዐጸዉወን።
11 ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳጹንን ምስቲ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ።
12 እተን ኣሓ ድማ፡ ንየማነ ጸጋም ከየግለሳ፡ እምባሕ እናበላ፡ ብጐደና ኣቕኒዔን መገዲ ቤት-ሸመሽ ትኽ ኢለን ከደ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳዕ ዶብ ቤት-ሸመሽ ደድሕሪአን ከዱ።
13 እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ስርናይ ኣብቲ ለሰ ይዐጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ፡ ብምርኣዩ ተሓጐሱ።
14 እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ መጺኡ ኣብኣ ቘመ፡ ኣብኣ ድማ ዓብዪ እምኒ ነበረ። ዕጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊጾም ከኣ እተን ኣሓ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ።
15 ሌዋውያን ከኣ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቓሑ ወርቂ ዘለዎ ሳጹንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ፡ መስዋእቲ ሕሩድ ከኣ ሰውኡሉ።
16 እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ረአይዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ።
17 እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ሕበጥ ወርቂ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሓደ ንኣሽዶድ፡ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣስቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡ ሓደ ንዔቅሮን።
18 እተን ኣናጹ ወርቂ ድማ ከም ቊጽሪ ዅለን ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን እየን፡ ካብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ኣቚሻት እታ ሃገር፡ ክሳዕ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር እተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፡ ንሱ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ ኣሎ።
19 ካብ ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት ስለ ዝጠመቱ ቐዘፎም እሞ፡ ካብቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕዘፍቲ ስለ ዝቐዘፎ ድማ እቶም ህዝቢ ሐዘኑ።
20 እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እዚ ቅዱስ ኣምላኽ፡ መን ኪቐውም ይኽእል፧ ካባናኸ ናብ መን ኪድይብ እዩ፧ በሉ።
21 ነቶም ኣብ ቂርያት-የዓሪም ዚነብሩ ኸኣ፡ ንታቦት እግዚኣብሄር ፍልስጥኤማውያን መሊሶምዎ፡ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሉም ልኡኻት ሰደዱሎም።

 

1 እቶም ሰብ ቂርያት-የዓሪም ድማ መጺኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኩርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ ኣእተውዎ፡ ንኣልኣዛር ወዱ ኸኣ ታቦት እግዚኣብሄር ኪሕሉ ቀደስዎ።
2 ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያት-የዓርም ካብ ዚቕመጥ ጊዜኡ ነውሔ፡ ዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለዉ ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቚዝሙ ነበሩ።
3 ሳሙኤል ከኣ ንብዘላ ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንት ዄንኩም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነኩም እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ።
4 ደቂ እስራኤል ከኣ ንበዓሊምን ንኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኹ።
5 ሳሙኤል ድማ፡ ንዅሉ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኣክቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ምእንታኹም ክልምኖ እየ፡ በሎም።
6 ሽዑ ኣብ ሚጽጳ ተአከቡ፡ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣውን ጾሙ፡ ኣብኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር በዲልናዮ፡ በሉ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ፈረዶም።
7 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኸም እተአከቡ ምስ ሰምዑ፡ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ደየብዎም። ደቂ እስራኤል እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ንፍልስጥኤማውያን ፈርህዎም።
8 ደቂ እስራኤል ከኣ ንሳሙኤል፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነናስ፡ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምምህላል ኣይትሕደግ፡ በልዎ።
9 ሳሙኤል ድማ ሓደ ዚጠቡ ዕየት ወሲዱ፡ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሳሙኤል ከኣ ምእንቲ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምላሽ ሀቦ።
10 ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርግ ከሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ኪዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ።
11 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሚጽጳ ወጺኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰጐጕዎም፡ ክሳዕ ትሕቲ ቤት-ካር ከኣ ቀተልዎም።
12 ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ሚጽጳን ሼንን ኣንበሮ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣና፡ ኢሉ ድማ ስሙ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ።
13 ፍልስጥኤማውያን ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ናብ ዶብ እስራኤል ኣይመጹን። ብዅሉ ዘበን ሳሙኤል ድማ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ነበረት።
14 እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፡ ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ጋት፡ ናብ እስራኤል ተመልሳ፡ ንዶበን ከኣ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሐነ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ።
15 ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘበን ህይወቱ ንእስራኤል ፈረደ።
16 ዓመት ንዓመት ከይዱ ኸኣ ናብ ቤት-ኤልን ጊልጋልን ሚጽጳን ይዘውር ነበረ፡ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከኣ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ።
17 ቤቱ ኣብ ራማ ነበረት እሞ፡ ናብኣ ይምለስ ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረዲ ገበሮም፡
2 ስም እቲ በዅሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ኣቢያ ነበረ፡ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ፈረዲ ነበሩ።
3 እቶም ደቁ ግና ብመገዱ ኣይከዱን፡ ናብ ስስዔ ደኣ ኣበሉ፡ መማለዲ ተቐቢሎም ድማ ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ።
4 ሽዑ ብዘለዉ ዓበይቲ እስራኤል ተአኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡
5 እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ፡ ሕጂ ኸም ኵሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።
6 ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጕሀዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።
7 እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዅሉ ቓሎም ስማዕ።
8 ከምቲ ኻብታ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርዎ ግብሪ፡ ንኣይ ሐዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኹ፡ ንኣኻ ድማ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።
9 ሕጂ ኸኣ ቃሎም ስማዕ፡ ግናኸ ኣጽኒዕካ ምዐዶም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚነግስ ንጉስ ከኣ ኣፍልጦም።
10 ሳሙኤል ድማ ነቶም ካብኡ ንጉስ ዝለመኑ ህዝቢ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዘበለ ነገሮም።
11 ንሱ በሎም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስ እዚ እዩ፡ ነቶም ኣወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ይገብሮም፡ ቀቅድሚ ሰረገላኡ ድማ ኪጐዩ እዮም።
12 ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሓምሳን፡ ማሕረሱ ዚሐርሱን ዓጺዱ ዚዐጽዱን ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ድማ ዚሰርሑ ኺገብሮም እዩ።
13 ነተን ኣዋልድኩም ከኣ ሽቱ ኼቃምማን ጸብሒ ኺሰርሓን ኪስንክታን ኪወስደን እዩ።
14 እቲ ዘዝበለጸ ግርሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይትኹምን ወሲዱ ድማ ንገላውኡ ኺህቦም እዩ።
15 ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸኣ ንስሉባቱን ንገላዉኡን ኪህቦም እዩ።
16 ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጹ ኣጕባዝኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ንዕዮኡ ኺገብሮም እዩ።
17 ካብ ኣባጊዕኩም ከኣ ዕሽር ይወስድ፡ ባሮቱውን ክትኰኑ ኢኹም።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ እቲ ዝሐሬኹምዎ ንጉስኩም ክትምህለሉ ኢኹም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ኣይመልሰልኩምን እዩ።
19-20 እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኵሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኺፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኺዋግኣልናንሲ ንጉስ ደአ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ።
21 ሳሙኤል ድማ ኵሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
22 እግዚኣብሄር ከኣ ንሳሙኤል፡ ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይኺድ፡ በሎም።

 

1 ካብ ብንያም ድማ ቂስ ዝስሙ ወዲ ኣቢኤል፡ ወዲ ጾሮር፡ ወዲ በኮራት፡ ወዲ ኣፊያሕ፡ ወዲ ሓደ ብንያማዊ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ።
2 ንሱ ኸኣ ሳኦል ዝስሙ ምልምልን መንእሰይን ወዲ ነበሮ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዚጽብቕ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ክሳዱ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ጸብለል ዝበለ ነበረ።
3 ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍአኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ፡ ካብዞም ግዙኣት ሓደ ምሳኻ ውሰድ፡ ተንሲእካ ድማ ኪድ እሞ፡ ነተን ኣእዱግ ድለየን፡ በሎ።
4 ሽዑ ብኸረን ኤፍሬም ሐለፈ፡ ብምድሪ ሻሊሻ ኸኣ ሐለፈ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ድማ ሐለፉ፡ ኣብኣውን ኣይነበራን፡ ብምድሪ ብንያማውያን ከኣ ሐለፉ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን።
5 ናብ ምድሪ ጹፍ ምስ መጹ፡ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ግዙኡ፡ ኣቦይ ብናይ ኣእዱግ ሐዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፡ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ፡ በሎ።
6 ንሱ ግና፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣሎ፡ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ፡ ዝበሎ ዅሉ ርግጽ ዚኸውን እዩ፡ ሕጂ ናብኡ ንኺድ፡ ንሱ ምናልባሽ እንኸደላ መገድና ይነግረና ይኸውን፡ በሎ።
7 ሳኦል ድማ ነቲ ግዝኡ፡ እንሆ፡ እንተ ኸድናስ፡ ነቲ ሰብኣይ እሞ እንታይ ነምጽኣሉ፡ ኣብ ለቘታና እንጌራ ተወዲኡ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እነምጽኣሉ ህያብ የብልናን፡ ወይስ እንታይ እሞ፡ ኣሎና በሎ።
8 እቲ ግዙእ ከኣ ከም ብሓድሽ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ርብዒ ሲቃል ብሩር ኣብ ኢደይ ኣሎኒ፡ እምበኣርሲ መገድና ምእንቲ ኺነግረናስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክህቦ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።
9 እዚ ሎሚ ነብዪ ዚበሀል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይበሀል ነበረ እሞ፡ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪሐትት ምስ ዚኸይድ፡ ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ፡ ይብል ነበረ።
10 ሳኦል ድማ ነቲ ግዙኡ፡ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ንዓናይ ንኺድ፡ በሎ። ከምዚ ኢሎም፡ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።
11 ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዜደይብ ዓቐበት ኪድይቡ ኸለዉ፡ ማይ ኪወርዳ ዝወጻ ኣዋልድ ረኸቡ፡ እቲ ረኣዪ ኣብዚዶ ኣሎ፡ ኢሎም ሐተትወን።
12 ንሳተን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሎም፡ እንሆ፡ ኣብዚ ቕድሜኻ ኣሎ፡ እዚ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ኪስውእ እዩ፡ ስለዚ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መጺኡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ቐልጥፍ።
13 ናብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ገና ናብቲ በሪኽ ኪበልዕ ከይደየበ፡ ብኡብኡ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ነቲ መስዋእቲ ንሱ እዩ ዚባርኾ፡ ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሱ ኸይመጸ፡ ኣይበልዑን እዮም እሞ፡ ድሕርቲ እቶም ዕዱማት ይበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፡ ስለዚ ሕጂ ደይቡ።
14 ናብታ ኸተማ ኸኣ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል ናብቲ በሪኽ ኪድይብ ኪቃባበሎም ወጸ።
15 ሓንቲ መዓልቲ ቕድሚ ምምጻእ ሳኦል፡ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ገሊጽሉ ነበረ፡
16 ገዓሩ ናባይ ስለ ዝበጽሔ፡ ንህዝበይ ርእየዮ እየ እሞ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፡ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ኪኸውን ቅብኣዮ፡ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕኖ እዩ።
17 ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚገዝእ እዚ እዩ፡ በሎ።
18 ሳኦል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ፡ ቤት እቲ ረአይስ ኣበይ እዩ ዘሎ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ።
19 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ ረአዪ ኣነ እየ፡ ሎሚ ምሳይ ክትምስሑ ኢኹም እሞ፡ ቀቅድመይ ናብቲ በሪኽ ደይብ፡ ጽባሕ ግና እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ነጊረ ኽሰደካ እየ።
20 ብዛዕባ እተን ካብ ዝጠፍኣኻ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከኣ፡ ተረኺበን እየን እሞ፡ ብእኤንሲ ኣይትሕሰብ። እቲ እስራኤል ዚትምነዮ ዘበለ ኵሉኸ፡ ንመን እዩ፡ ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኰነን።
21 ሳኦል ድማ፡ ኣነስ ብንያማዊ፡ ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንኩን፡ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዚንእስዶ ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
22 ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ጊልያኡን ናብ ኣደራሽ ኣእትዩ፡ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፡ ንሳቶም ከኣ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ።
23 ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሕ ጸብሒ፡ ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሀብኩኻ ምቃል ኣምጽኣዮ፡ በሎ።
24 እቲ ሰራሕ ጸብሒ ከኣ ነቲ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዘሎን ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ፡ እቲ ንህዝቢ ጸዊዔ ኽብል ከሎኹ፡ ነዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ተነቢሩልካ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዝነበረ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ ጌርካ ብልዓዮ፡ በለ። ሳኦል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዔ።
25 ካብቲ በሪኽ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፡ ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ምስ ሳኦል ተዛረበ።
26 ኣንጊሆም ከኣ ተንስኡ። ኰነ ድማ፡ ቐይሔ ጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ንሳኦል፡ ከፋንወካስ ተንስእ፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳኦል ከኣ ተንስኤ፡ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ክልቲኦም ናብ ግዳም ወጹ።
27 ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ነዚ ግዙእ ንቕድሜና ሕለፍ፡ በሎ፡ – ንሱ ኸኣ ሐለፈ – ንስኻ ግና፡ ሕጂ ቓል ኣምላኽ ከስምዓካስ፡ ጠጠው በል፡ በሎ።

1 ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ናብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሰሰሉ እሞ ሰዐሞ በሎውን፡ እግዚኣብሄር ዝቐብኣካስ ኣብ ርስቱ ሹም ክትከውንዶ ኣይኰነን፧
2 ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፡ ኣብ ዶብ ብንያም ኣብ ጸልጻሕ ክልተ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እተን ኣእዱግ ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካስ ተረኺበን። እንሆ ድማ፡ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሐዲጉ፡ ናይዚ ወደይሲ እንታይ ክገብር እየ፧ እናበለ፡ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ፡ ኪብሉኻ እዮም።
3 ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ድዋ ታቦር ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ኣብኡ ናብ ኣምላኽ ናብ ቤት-ኤል ዚድይቡ ሰለስተ ሰብ፡ እቲ ሓደ ሰለስተ ወጠጦ ጾይሩ፡ ሓደ ድማ ሰለስተ እንጌራ ጾይሩ፡ ሓደ ኸኣ ሐርቢ ወይኒ ጾይሩ ኺረኽቡኻ እዮም።
4 ከመይ ኢልካ ኣሎኻ፡ ድማ ይብሉኻ፡ ክልተ እንጌራ ኸኣ ኪሁቡኻ እዮም እሞ፡ ካብ ኢዶም ክትቅበሎ ኢኻ።
5 ድሕርዚ ናብቲ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዅርባ ኣምላኽ ክትመጽእ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ ኸተማ ኽትአቱ ኸሎኻ፡ ኣብኣ እኩባት ነብያት ቀቅድሚኦም ድማ በገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ገይሮም፡ ካብቲ በሪኽ ኪወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።
6 መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሌኻ ኺወርድ እዩ፡ ምሳታቶም ከኣ ክትንበ ኢኻ፡ ካልእ ሰብ ክትከውን ድማ ክትልወጥ ኢኻ።
7 ይኸውን ከኣ፡ እዚ ምልክታት እዚ ምስ መጸካ፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ እቲ ዚምሽኣካ ግበር።
8 ቅድመይ ናብ ጊልጋል ክትወርድ ኢኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ዚሐርር መስዋእቲ ኸዕርግ፡ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ክስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መጺኤ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኽትጸንሕ ኢኻ።
9 ኰነ ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ኪኸይድ ዝባኑ ምስ መለሰ፡ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እዚ ምልክታት እዚ ዅሉ መጸ።
10 ናብታ ዅርባ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ እኩባት ነብያት ተቐባበልዎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ተነበየ።
11 ኰነ ድማ፡ እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ዅሎም፡ እንሆ፡ ምስ ነብያት ኰይኑ ኺንበ ምስ ረአይዎ፡ እቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ፡ እዚ ኣብ ወዲ ቂስ ኰይኑ ዘሎ እንታይ እዩ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ በለ።
12 ኣብቲ ስፍራ እቲ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ኣቦኦምስ መን እዩ ኢሉ፡ መለሰ። ስለዚ እዩ እቲ ምስላ ዝዀነ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧
13 ምንባይ ምስ ወድኤ ድማ፡ ናብቲ በሪኽ መጸ።
14 ሓወቦ ሳኦል ከኣ ንእኡን ነቲ ግዙኡን፡ ናበይ ኬድኩም ኔርኩም ኢኹም፧ በሎም። ንሱ ድማ፡ ኣእዱግ ክንደሊ፡ ከም ዘየለዋ ምስ ርኤና ግና፡ ናብ ሳሙኤል መጻእና፡ በለ።
15 ሓወቦ ሳኦል ድማ፡ እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በጃኻ ንገረኒ፡ በለ።
16 ሳኦል ከኣ ንሓወቦኡ፡ ኣእዱግ ከም እተረኽባ ኣርጊጹ ነገረና፡ በሎ። እቲ ሳሙኤል ብናይ መንግስቲ ነገር ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።
17 ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ጸውዖ።
18 ንደቂ እስራኤል ከአ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዜጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሐንኩኹም፡ ይብል ኣሎ።
19 ሎሚ ግና ንስኻትኩም ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጸበባን ዜድሕነኩም ኣምላኽ ንዐቕኩምዎ፡ ንእኡ ኸኣ፡ ኣይፋልካ፡ ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና፡ በልኩምዎ። እምበኣርሲ ሕጂ በብነገድኩም በብሽሕኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ፡ በሎም።
20 ሳሙኤል ከኣ ንዅሎም ንገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ነገድ ብንያም በጽሔ።
21 ንነገድ ብንያም ከኣ በብዓሌቱ ኣቕረቦ፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ዓሌት ማትሪ በጽሔ፡ ኣብ ሳኦል ወዲ ቂስውን በጽሔ። እንተ ደለይዎ ግና፡ ኣይተረኸበን።
22 መሊሶም ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ ናብዚዶ መጺኡ ኣሎ፧ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ሐተትዎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መንጎ ኣቓሑ ተሐቢኡ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ።
23 ጐይዮም ከኣ ካብኡ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ መንኵቡ ንላዕሊ ነውሖ።
24 ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዜልቦ ርኢኹምዶ፧ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ እናበሉ እልል በሉ።
25 ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ሕጋጋት መንግስቲ ነገሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ።
26 ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደ፡ ኣምላኽ ልቦም ዘንቅሔ ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኸዱ።
27 እቶም ደቂ ብልያል ግና፡ እዚ ደአ ኸመይ ገይሩ ኼድሕነና እዩ፡ ኢሎም ነዐቕዎ እሞ፡ ገጽ በረኸት ኣይሀብዎን። ንሱ ግና ከም ዘይሰምዔ ዀነ።

1 ናሓሽ ዓሞናዊ ድማ ደዪቡ ንያቤስ-ጊልዓድ ከበባ። ኵሎም ሰብ ያቤስ ከኣ ንናሓሽ፡ ክንግዝኣካስ ኪዳን እተወልና፡ በልዎ።
2 ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ኸኣ፡ የማነይቲ ዓይኒ ኵልኹም ብምንቋር፡ በዚ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እስራኤል ነውሪ ኽገብር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝአቱ፡ በሎም።
3 እቶም ዓበይቲ ያቤስ ከኣ፡ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣቋጽረና፡ ዜድሕነና ዜልቦ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ሽዑ ናባኻ ንወጽእ፡ በልዎ።
4 እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ናይ ሳኦል ጊብዓ መጹ፡ እዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ ኣእዛን እቲ ህዝቢ ተዛረቡ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።
5 እንሆ ድማ፡ ሳኦል ደድሕሪ ኣብዑር ካብ መሮር ይአቱ ነበረ። ሳኦል ከኣ፡ እዚ ህዝቢ ዚበኪ ዘሎ እንታይ ከይኑ እዩ፧ በለ። ንሳቶም ድማ እቲ ዘረባ ሰብ ያቤስ ነገርዎ።
6 ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ምስሰምዔ፡ መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ፡ ኵራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ።
7 ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራሪጹ፡ እቲ ወጺኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፡ ኣብዑሩ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም፡ ኢሉ ብኢድ ልኣኻት ገይሩ ናብ ብዘሎ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። ሽዑ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ፡ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ከኣ ወጹ።
8 ኣብ ቤዜቅ ከኣ ቈጸሮም እሞ ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፡ ይሁዳ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰኑ።
9 ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ በልዎም፡ ንሰብ ያቤስ-ጊልዓድ፡ ጽባሕ በርቂ ጸሓይ ምድሓን ክትረኽቡ ኢኹም፡ ኢልኩም በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ መጺኦም ንሰብ ያቤስ ነገርዎም፡ ንሳቶም ከአ ተሐጐሱ።
10 እቶም ሰብ ያቤስ ከኣ፡ ጽባሕ ክንወጸልኩም ኢና፡ ሽዑ ኸምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩና፡ በሉ።
11 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ብጊዜ ሓለዋ ወጋሕታ ኸኣ ናብቲ ሰፈር አትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ቀተልዎም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካባታቶም ዝተረፉ ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ በሉ።
12 ሽዑ እቲ ህዝቢ ንሳሙኤል፡ እቲ ሳኦልዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ፡ ዝበለ መን እዩ፡ ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምጽእዎም፡ በለ።
13 ሳኦል ግና፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትን፡ በለ።
14 ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡ ኣብኡ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ንሐድሶ፡ በሎ።
15 ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጊልጋል ከዱ፡ ኣብኣ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸኣ ሳኦልን ኵሎም ሰባት እስራኤልን ብዙሕ ተሐጐሱ።

1 ሳሙኤል ድማ ንብዘለዉ እስራኤል በሎም፡ እንሆ፡ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓልኩም ሰሚዔ፡ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንገስኩ።
2 ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ቐቅድሜኹም ዚኸይድ ንጉስ እንሆ፡ ኣነ ድማ ኣሪገ ሸየብኩ፡ ደቀይ ከኣ እነዉ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም እኸይድ ነበርኩ።
3 እኔኹ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩ፡ ብዕራይ መን ወሰድኩ ወይ ኣድጊ መን ወሰድኩ፡ ወይስ ንመን ዐመጽኩ፡ ንመን ኣጥቃዕኩ፡ ዓይነይ ከዑረሉ ኢለኸ ኻብ ኢዱ መማለዲ እተቐበልክዎዶ ኣሎ፧ እሞ ኽመልሰልኩም።
4 ንሳቶም ከኣ፡ ኣይዐመጽካናን ኣየጥቃዕካናን ድማ፡ ካብ ኢድ ሰብውን ገለ እኳ ኣይወሰድካን፡ በሉ።
5 ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ኸም ዘይረኸብኩምለይሲ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ምስክር እዩ፡ ቅቡኡውን ምስክር እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ምስክር እዩ በሉ።
6 ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝገበሮም ነቦታትኩም ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ንሱ እዩ።
7 እምበኣር ሕጂስ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩን ዝገበሮ ዅሉ ጻድቕ ግብርታቱ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምሲ፡ ደው በሉ።
8 ያእቆብ ኣብ ግብጺ ምስ አተወ፡ ኣቦታትኩም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለአኾም፡ ንሳቶም ከኣ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም።
9 ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኾም ረስዕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራ፡ ሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም።
10 ሽዑ፡ ንእግዚኣብሄር ሐዲግናስ ንበዓሊምን ንኣስታርቴታትን ብምግልጋል በዲልና ኢና እሞ፡ ሕጂ ግና ካብ ኢድ ጸላእትና ኣድሕነና፡ ንሕና ድማ ከነገልግለካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
11 እግዚኣብሄር ከኣ ንየሩብ-በዓልን በዳንን ይፍታሕን ሳሙኤልን ልኢኹ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ዘለዉ ጸላእትኹም ኣድሐነኩም፡ ሀዲእኩም ድማ ተቐመጥኩም።
12 ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ከም ዚመጸኩም ምስ ርኤኹም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡ ኣይፋል፡ ንጉስ ደአ ኣብ ልዕሌና ይንገስ፡ በልኩምኒ።
13 ሕጂ ኸአ እንሆ፡ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሐሬኹምዎን ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ሂቡኩም፡ እንሆ።
14 ንእግዚኣብሄር እንተ ትፈርህዎን እንተ ተገልግልዎን ቃሉውን እንተ ትሰምዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ዘይአቤኹምዎ፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ድማ ደሓን።
15 ግናኸ ንቓል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ኣቤኹምዎ፡ ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ከምቲ ነቦታትኩም እተጻረረት፡ ንኣኻትኩም ድማ ክትጻረረኩም እያ።
16 ሕጂ ኸኣ ደው ኢልኩም ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዚገብሮ ዓብዪ ነገር ርአዩ።
17 ሎምስ ጊዜ ዓጺድ ስርናይዶ ኣይኰነን፡ እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትርእዩንሲ፡ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነጒድን ዝናምን ኪሰድድ እዩ።
18 ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፡ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጒድን ዝናምን ሰደደ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርሁ።
19 ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስ፡ ንጉስ ብምልማንና እዚ ኽፉእ እዚ ድማ ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ስለ ገላውኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና፡ በልዎ።
20 ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ኣይትፍርሁ፡ ምግባርሲ እዚ ዅሉ ኽፉእ እዚ ንስኻትኩም ጌርኩምዎ ኢኹም፡ ግናኸ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣይትዝበሉ፡ ብምሉእ ልብኹም ድአ ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ።
21 ነቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን፡ ከንቱ ስለ ዝዀኑ፡ ምስዓቦም ከንቱ እዩ እሞ፡ ኣይተግልሱ።
22 እግዚኣብሄር ህዝቡ ኺገብረኩም ፈትዩ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ።
23 ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እባ ደአ ኽምህረኩም እየ እምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ።
24 እቲ ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ርአዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ፍርሁ፡ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከኣ ኣገልግልዎ።
25 ቀጺልኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።

 

1 ሳኦል ሓደ ዓመት ነገሰ። ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ምስ ነገሰ ድማ፡
2 ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ሐረየ፡ ክልተ ሽሕ ምስ ሳኦል ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ከረን ቤት-ኤልን ነበሩ፡ ሓደ ሽሕ ከኣ ምስ ዮናታን ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
3 ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ጌባዕ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ እዚ ሰምዑ። ሳኦል ድማ፡ እብራውያን ይስምዑ፡ ኢሉ ኣብ ብሃገሩ መለኸት ነፍሔ።
4 ብዘለዉ እስራኤል ከኣ፡ ሳኦል ንጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቒዕዎም፡ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ተፈንፊኑ እዩ፡ ኪብሉ ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል ኪስዕቡ ናብ ጊልጋል ተአከቡ።
5 ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከአ ፈረሰኛ፡ ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ኰይኖም፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተአከቡ። ደዪቦም ድማ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት-ኣዌን ዘላ ሚኽማሽ ሰፈሩ።
6 እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ጸቢብዎ ነበረ እሞ ከም ዝጸበቦ ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ናብ በዓትታትን ናብ ኣድዋርን ናብ ኣኻውሕን ናብ ግምብታትን ናብ ጐዳጕድን ተሐብኡ።
7 ገሊኦም እብራውያን ከኣ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ። ሳኦል ድማ ገና ኣብ ጊልጋል ነበረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ እናንቀጥቀጡ ሰዐብዎ።
8 ከምታ ሳሙኤል ዝመደባ ጊዜ ሾብዓተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ።
9 ሽዑ ሳኦል፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕርቡለይ፡ በለ። ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰውኤ።
10 ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈጸመ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል መጸ፡ ሳኦል ከኣ ሰላም ኪብሎ ኢሉ፡ ኪቕበሎ ወጸ።
11 ሳሙኤል ድማ፡ እንታይ ግብሩ ገበርካ፧ በሎ። ሳኦል ከኣ እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፡ ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልትታት ከም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተአከቡ ርኤኹ እሞ፡
12 ስለዚ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይጸሌኹ ኸሎኹ፡ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ሕጂ ኺውርዱ እዮም ኢለ ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ፡ በለ።
13 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል በሎ፡ ዐሺካ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝ ኣይሐሎኻን። እንተ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መጽንዓልካ ነይሩ።
14 ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብአይ ደልዩስ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ።
15 ሳሙኤል ድማ ካብ ጊልጋል ተንሲኡ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ፡ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ቈጸሮም።
16 ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቲ ምሳታቶም ዘሎ ህዝብን ድማ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ተቐሚጦም ነበሩ። ፍልስጥኤማውያን ግና ኣብ ሚኽማሽ ሰፈሩ።
17 ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከአ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ዀይኖም ወጹ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊ ብመገዲ ዖፍራ ናብ ምድሪ ሹዓል ኣበለ።
18 እቲ ሓደ ኽፍሊ ኸኣ ብመገዲ ቤት-ሖሮን ኣበለ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊውን ብመገዲ እቲ ኣብ ለሰ ጸቦዒም ዚርኢ ዶብ፡ ብሸነኽ በረኻ ኣበለ።
19 ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ እብራውያን ሴፍ ወይ ኵናት ኣይስርሑ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጥ ሓጺን ኣይነበረን።
20-21 ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ሰለስተ ዝጨንፈሩ መስኤታትን ማሕጼታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኵላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጼኡን ማዕጺዱን ኬትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ።
22 ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ኢድ ኵሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሴፍ ወይ ኵናት ኣይተርኽበን፡ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታን ወዱን ግና ተረኸበ።
23 ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ መሳገሪ ሚኽማሽ ወጸ።

1 ሓደ መዓልቲ ኸኣ ዀነ፡ ዮናታን ወዲ ሳኦል ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡ፡ ንዓናይ፡ ናብቲ ኣብ ስግር ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር፡ በሎ። ነቦኡ ግና ኣይነገሮን።
2 ሳኦል ከኣ ኣብ ወሰን ጊብዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ሚግሮን ዘላ ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ።
3 ኣሒያ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓው ኢካቦድ፡ ወዲ ፊንሃስ ወዲ ኤሊ፡ እቲ ኣብ ሺሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ፡ ኤፎድ ጾይሩ ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ።
4 በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ኪሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ ድማ ነቲ መሳገሪ ብሓደ ሸነኹ ጨላቝ ከውሒ፡ ነቲ መሳገሪ ብኻልኣይ ሸነኹ ኸኣ ጨላቝ ከውሒ ነበረ፡ ስም እቲ ሓደ ቦጼጽ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔህ ነበረ።
5 እቲ ሓደ ጨላቝ ብወገን ሰሜን ኣብ መንጽር ሚኽማሽ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብወገን ደቡብ ኣብ መንጽር ጌባዕ ቈይሞም ነበሩ።
6 ዮናታን ድማ ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኰነ ወይ ብሒዶት ገይሩ ምድሓን ዚኽልክሎ የልቦን እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ገለ ይገብረልና ይኸውን፡ ንዓናይ፡ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም ንሳገር፡ በሎ።
7 እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ድማ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር፡ ንስኻ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ እኔኹ፡ ከም ድላይ ልብኻ ምሳኻ እየ፡ በሎ።
8 ሽዑ ዮናታን፡ እንሆ፡ ንሕና ናብቶም ሰባት ንሳገር፡ ንርአዮም ከኣ።
9 ንሳቶም፡ ክሳዕ እንመጸኩም ጽንሑ እንተ በሉና፡ ንሕና ኣብ ዘሎናዮ ንጽናሕ፡ ናባታቶም ኣይንደይብ።
10 ናባና ደይቡ፡ እንተ በሉና ግና፡ እዚ ንኣና ምልክት እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ ንደይቦም፡ በለ።
11 ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተራእይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ እንሆ፡ እብራውያን ካብቲ ተሐቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወጹ ኣለዉ፡ በሉ።
12 እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ጋሻ ዛግሬኡን፡ ሓደ ነገር ከነፍልጠኩምሲ ናባና ደይቡ፡ ኢሎም መለሱሎም። ዮናታን ከኣ ነቲ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፡ ደድሕረይ ደይብ፡ በሎ።
13 ዮናታን ድማ በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ኣብ ቅድሚ ዮናታን ከኣ ወደቑ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ዀይኑ ይቐትሎም ነበረ።
14 በቲ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኰይኖም ኣተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ መዓል ጽምዲ ኣብ እትአክል ቃድራ ኣስታት ዕስራ ሰብኣይ ቀተሉ።
15 ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ መሮርን ኣብ ብዘሎ ህዝብን ምሽባር ኰነ፡ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ንሳቶም ከኣ ተሸበሩ። ካብ ኣምላኽ ፍርሃት ኰነ፡ እታ ሃገር ድማ ኣንቀጥቀጠት።
16 እቶም ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዔኛታት ሳኦል ከአ ጠመቱ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ፋሕ ኢሉ ናብዝን ናብትን ከደ።
17 ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ፡ ቈጺርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ርአዩ፡ በሎም። ንሳቶም ምስ ቈጸሩ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኣይነበሩን።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ታቦት ኣምላኽ ምስ ደቂ እስራኤል ነበረ እሞ፡ ሳኦል ድማ ንኣሒያ፡ ታቦት ኣምላኽ ናብዚ ኣምጽእ፡ በሎ።
19 ኰነ ኸኣ፡ ሳኦል ምስቲ ኻህን ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ታዕታዕ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሳኦል ድማ ነቲ ኻህን፡ ኢድካ ምለስ፡ በሎ።
20 ሳኦልን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ከኣ ተአኪቦም ክሳዕ ናብቲ ውግእ አተዉ። እንሆ ድማ፡ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩ ዀነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ዕግርግር ከአ ዀነ።
21 እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ካብቲ ኸባቢ ምሳታቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ እብራውያን፡ ንሳቶምውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ኪዀኑ ተመልሱ።
22 እቶም ኣብ ከረን ኤፍሬም ተሐቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ሰምዑ፡ ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ናብቲ ውግእ ሰዐቡ።
23 እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ኣድሐኖ። እቲ ውግእ ከኣ ንቤት-ኣዌን ሐሊፉ ነበረ።
24 በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ሰብ እስራኤል፡ ላህሊሆም ነበሩ፡ ሳኦል ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዚበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ረገሞም። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ እንጌራ ኣይጠዐመን።
25 ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ዱር መጸ፡ መዓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነበረ።
26 እቲ ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መጸ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ መዓር ይውሕዝ ነበረ፡ እቲ ህዝቢ ግና፡ ነቲ መርገም ስለ ዝፈርሄ፡ ኢዱ ናብ ኣፉ ዘቕረበ የልቦን።
27 ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቲ ህዝቢ ኼምሕሎ ኸሎ ኣይሰምዔን ነበረ እሞ፡ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዘላ በትሪ ሰዲዱ ኣብቲ ጐጎ መዓር ጠምዔ፡ ኢዱ ኸኣ ናብ ኣፉ መለሰ፡ ኣዒንቱ ድማ በርሃ።
28 ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣቦኻ፡ ሎሚ እንጌራ ዚበልዕ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ንህዝቢ ኣጽኒዑ ኣምሒሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ደኺሙ ነበረ።
29 ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦይ ነዛ ሃገር ጐድኣ። ካብዚ መዓር እዚ ሒደት ስለ ዝጠዐምኩ፡ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ፡ በጃኹም ርኣዩ፡
30 እዚ ህዝቢ ሎሚ ኻብዚ ዝረኸቦ ምርኮ ጸላእቱ ኣጸቢቑ እንተ ዚበልዕ ደአ ኽንደይ ምጸበቐ ነይሩ፡ ሕጂ እቲ ስዕረት ኣብ ፍልስጥኤማውያንዶ ኣይምዐበየን፡ በለ።
31 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ሚኽማሽ ክሳዕ ኣያሎን ሰዐርዎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ እምብዛ ደኸመ።
32 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ምርኮ ጐይዮም ኣባጊዕን ኣሓን ምራኹትን ወሲዶም ኣብ ምድሪ ሐረዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ምስ ደሙ በልዖ።
33 ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ይብድሎ ኣሎ፡ ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ ከዲዕኩም በደልኩም፡ ሕጂ ዓብዪ እምኒ ኣንካራሪኹም ኣምጽኡለይ፡ በለ።
34 ሳኦል ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ፋሕ ኢልኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምጽእ፡ ኣብዚ ኸኣ ሐሪድኩም ብልዑ፡ ምስ ደሙ ብምብላዕኩም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ በልዎም፡ በለ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ብኢዱ ኣምጽኤ፡ ኣብኡ ኸኣ ሐረድዎም።
35 ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቐዳማይ መሰውኢ ንሱ እዩ።
36 ሳኦል ከኣ፡ ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ንዝመቶም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይነትርፈሎም፡ በሉ። ንሳቶም ድማ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዅሉ ግበር፡ በሉ። እቲ ኻህን ግና፡ ናብዚ ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፡ በለ።
37 ሽዑ ሳኦል፡ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ፡ ኣብ ኢድ እስራኤልዶኸ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ሐተቶ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ኣይመለሰሉን።
38 ሳኦል ከኣ፡ ኣቱም ሓላቑ ህዝቢ ኵልኹም ናብዚ ቕረቡ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሓጢኣት ብምንታይ ከም ዝዀነ ድማ ፍለጡን ርአዩን።
39 እቲ በደል ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ዀነ እተገብረ፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ርግጽ ኪመውት እዩ፡ በለ። ግናኸ ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሓደ እኳ ኣይመለሰሉን።
40 ሽዑ ንሱ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፡ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንከውን ኢና፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል፡ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ግበር፡ በልዎ።
41 ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ሓቂ ግለጾ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታንን ሳኦልን ብዕጭ ተወስዱ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ሓራ ወጹ።
42 ሳኦል ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ወደይ ዮናታንን ዕጭ ኣውድቑ፡ በለ። ዮናታን ከኣ ተወስደ።
43 ሳኦል ድማ ንዮናታን፡ እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታን፡ ምጥዓምሲ ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ሒደት መዓር ጥዒመ ነይረ፡ እኔኹ እሙት፡ ኢሉ ነገሮ።
44 ሳኦል ድማ፡ ዎ ዮናታን፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ በለ።
45 እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል፡ ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ እሞ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኺመውት እዩ፡ ያእ የርሕቆ። ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን፡ በልዎ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንዮናታን ከይመውት ኣድሐንዎ።
46 ሳኦል ድማ ንፍልስጥኤምውያን ካብ ምስዓብ ተመልሰ። ፍልስጥኤማውያን ናብ ቦታኦም ከዱ።
47 ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሐዘ ድማ፡ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ጸላእቱ፡ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ዓሞንን ምስ ኤዶምን ምስ ነገስታት ጾባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግኤ፡ ገጹ ኣብ ዝመለሰሉ ዘበለ ኸአ ሰዐረ።
48 በርቲዑ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዐሮም፡ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ዘመትቱ ኣድሐኖ።
49 ደቂ ሳኦል ድማ ዮናታንን ይስዊን ማልኪሹዓን ነበሩ። ስም እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸኣ፡ ስም እታ በዅሪ ሜራብ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ሚካል እዩ።
50 ስም ሰበይቲ ሳኦል ከአ ኣሒኖኣም እዩ፡ ንሳ ጓል ኣሒማዓጽ እያ። ስም ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብኔር እዩ፡ ንሱ ወዲ ኔር ሓወቦ ሳኦል ነበረ።
51 ቂስ ኣቦ ሳኦልን፡ ኔር ኣቦ ኣብኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።
52 ብዅሉ ዘበን ሳኦል ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረአየ፡ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።

 

1 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፡ ክቐብኣካ እግዚኣብሄር ንኣይ ለአኸኒ። ሕጂ ኸኣ ነቲ ደሃይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ።
2 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንእስራኤል፡ ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ እቲ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ጸኒሑ ዝገበሮ ዘኪረዮ ኣሎኹ።
3 ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፡ ኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል።
4 ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ኣኽቲቱ ኣብ ጥላኢም ቈጸሮም፡ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ኰኑ።
5 ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቅ መጸ፡ ኣብ ለሰ ኸኣ ድብቕ ገበረ።
6 ሳኦል ድማ ንቄናውያን፡ ንስኻ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለዉ፡ ምሕረት ጌርካሎም ኢኻ እሞ፡ ምሳታቶም ከየጥፍኣኩምሲ ኺዱ፡ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውረዱ፡ በሎም። ቄናውያን ከኣ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ኣግለሱ።
7 ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር ሰዐሮም።
8 ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከኣ ብህይወቱ ሓዞ፡ ንብዘሎ እቲ ህዝቢውን ብስሕለት ሴፍ ፈጺሙ ኣጥፍኦ።
9 ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ክልተ ወለድ ዘበላ እንስሳን ገነሽልን ጽቡቕ ዘበለ ዅሉን ኬጥፍእዎ ኣይፈተዉን እሞ፡ ነሐፍዎ፡ እቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈጺሞም ኣጥፍእዎ።
10-11 ሽዑ፡ ሳኦል ካብ ምስዓበይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ፡ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዐስ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መጸ። እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ እሞ፡ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
12 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ንግሆ ኺራኸቦ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ተንስኤ። ሽዑ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ መጺኡ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ንእኡ ዚኸውን ሓወልቲ ኣቚሙ፡ ዞይሩ ድማ ተሳጊሩ፡ ናብ ጊልጋል ከአ ወሪዱ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
13 ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መጸ። ሳኦል ከኣ፡ ንስኻ ብእግዚኣብሄር ብሩኽ ኩን፡ ኣነ ቃል እግዚኣብሄር ፈጺመ እየ፡ በሎ።
14 ሳሙኤል ግና፡ እዚ ኣባጊዕ ቤዕ ኪብላን ኣሓ እምባሕ ኪብላን ናቋኤን ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘሎኹ ደአ እንታይ እዩ፧ በለ።
15 ሳኦል ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምጽእወን፡ ካብተን ኣባጊዕን ኣሓን ዝጸበቓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ዝነሐፍወን እየን፡ ነተን ዝተረፋ ግና ፈጺምና ኣጥፊእናየን ኢና፡ በለ።
16 ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካስ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በሎ።
17 ሳሙኤል ድማ፡ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ንእሽቶ ኸሎኻ፡ ንስኻ ሓለቓ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብኣካ።
18 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን፡ ንኣማሌቃውያን፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፡ ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ተዋግኣዮም፡ ኢሉ ንመገዲ ሰደደካ።
19 ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ፧ ስለምንታይከ ናብቲ እተዘምተ ተወርዊርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ፧ በለ።
20 ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዔስ በታ እግዚኣብሄር ዝለአኸኒ መገዲ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ ንኣማሌቃውያንውን ፈጺመ ኣጥፊኤዮም።
21 ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡ በሎ።
22 ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።
23 ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ።
24 ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሄ ቃሎም ስለ እተአዘዝኩ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርን ንዘረባኻን ሐሊፈ እየ እሞ፡ ሐጣእኩ።
25 ሕጂ ድማ በጃኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፡ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከኣ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ።
26 ሳሙኤል ንሳኦል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ፡ በሎ።
27 ሳሙኤል ኪኸይድ ገጹ ምስ መለሰ፡ ንሱ ኸኣ ጫፍ ክዳኑ ኣጽኑዑ ሐዘ እሞ፡ ተቐደ።
28 ሳሙኤል ድማ፡ እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፡ ካባኻ ንዚሐይሽ ብጻይካ ሀቦ።
29 እቲ ጽንዓት እስራኤልሲ ከይጥዐስ ሰብ ኣይኰነን እሞ፡ ኣይሕሱን ኣይጥዐስን ከኣ፡ በሎ።
30 ንሱ ድማ፡ ሓጣእኩ፡ ሕጂ በጃኻ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኽሰግድሲ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ።
31 ሽዑ ሳሙኤል ደድሕሪ ሳኦል ተመለሰ፡ ሳኦል ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰገደሉ።
32 ሳሙኤል ድማ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣጋግ ከኣ ተሐጒሱ ናብኡ መጸ። ኣጋግ ድማ፡ ምሪ ሞትሲ ርግጽ ሐሊፉ እዩ፡ በለ።
33 ሳሙኤል ከኣ፡ ሴፍካ ነንስቲ ውሉድ ዜብለን ከም ዝገበረተን፡ ከምኡ ኸኣ ኣዴኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውሉድ ዜብላ ትኹን፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ቈራረጾ።
34 ሳሙኤል ከኣ ናብ ራማ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ናይ ሳኦል ደየበ።
35 ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይጕሂ ነበረ እሞ፡ ሳሙኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ መሊሱ ንሳኦል ኪርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተጣዕሰ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል፡ ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መአዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጉህየሉ፧ ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ፡ በሎ።
2 ሳሙኤል ከኣ፡ ሳኦል እንተ ሰምዔ፡ ኪቐትለኒ እዩ፡ ከመይ ኢለ ክኸይድ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውኣ ኢለ መጻእኩ፡ በል።
3 ንእሴይ ከኣ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፡ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፡ ነቲ ዝብለካ ኸአ ቅብኣለይ፡ በለ።
4 ሳሙኤል ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፡ ናብ ቤት-ልሄም ከአ መጸ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐባበልዎ፡ ብሰላምዶ መጺእካ፧ ከኣ በሉ።
5 ንሱ ድማ፡ ብሰላም እየ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደአ መጺኤ፡ ተቐደሱ፡ ምሳይውን ናብቲ መስዋእቲ ምጹ፡ በለ። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋኣቲ ድማ ጸውዖም።
6 ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ርእዩስ፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ በለ።
7 እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።
8 ሽዑ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ።
9 እሴይ ንሳማ ኸኣ ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዚውን እግዚኣብሄር ኣይሐረዮን፡ በለ።
10 እሴይ ድማ ንሾብዓተ ደቁ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሐረዮምን፡ በለ፡
11 ሳሙኤል ድማ ንእሴይ፡ እዚኣቶም ድዮም ኩሎም እቶም ደቂ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና እቲ ንእሽቶ ተሪፉ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ መአዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ።
12 ልኢኹ ድማ ኣምጽኦ፡ ንሱ ኸኣ ቀይሕ፡ ጽቡቕ ኣዒንቲ፡ ትርኢቱውን ጽቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ፡ በለ።
13 ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ።
14 መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሐቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ።
15 እቶም ገላውኡ ድማ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ደአ ይሳቕየካ ኣሎ።
16 እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታና ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ዘለዉ ገላዉኻ ምውቃዕ በገና ዚፈልጥ ሰብ ኪደልዩ ይአዝዝ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ኣባኻ ኸሎ፡ ንሱ ብኢዱ ኺወቅዕ እዩ እሞ፡ ኪሕሸካ እዩ፡ በልዎ።
17 ሳኦል ድማ ንገላውኡ፡ እምበኣር ጽቡቕ ዚወቅዕ ሰብ ርኣዩለይ እሞ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ በሎም።
18 ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ፡ እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም፡ ፈላጥ ወቓዒ ርእየ ኣሎኹ። ንሱ ብርቱዕ ጅግና፡ ተዋጋኢ ሰብኣይ፡ መስተውዓል ዘረባ፡ መልክዔኛ ሰብኣይ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
19 ሽዑ ሳኦል ንእሴይ፡ እቲ ምስ ኣባጊዕ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
20 እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ወጠጦን ወሲዱ፡ ብኢድ ወዱ ዳዊት ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ።
21 ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መጸ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ፡ ኣዝዩ ኸኣ ፈተዎ፡ ጋሻ ዛግሬኡውን ኰነ።
22 ሳኦል ድማ ንእሴይ፡ ዳዊት ኣብ ዓይነይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ቅድመይ ይቑም፡ ኢሉ ለአኸሉ።
23 ኰነ ኸኣ፡ ንሳኦል እቲ ኽፉእ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ምስ መጾ፡ ዳዊት በገና ወሲዱ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ሽዑ ንሳኦል ይፈዅሶን ይሕሾን ነበረ፡ እቲ ኽፉእ መንፈስውን የግልሰሉ ነበረ።

 

1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሶኮ ናይ ይሁዳ ተአከቡ፡ ኣብ ኤፈስ-ዳሚም ኣብ መንጎ ሶኮን ኣዜቃን ሰፈሩ።
2 ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ከቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ድማ ተሰለፉ።
3 ፍልስጥኤማውያን ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ እስራኤል ከኣ ነቲ ኸረን፡ ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ለሰ ነበረ።
4 ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጋት፡ ሹድሽተ እመትን ስድርን ዝቚመቱ፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ወጸ።
5 ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ድማ ነበሮ፡ ከም ቅራፍ ዓሳ ዝበለ ድርዒውን ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሲቃል ኣስራዚ እዩ።
6 ኣብ ሰለፋቱ ድማ ስረ ኣስራዚ፡ ኣብ መንጎ መናኵቡ ኸኣ መዝረቕ ኣስራዚ ነበሮ።
7 ዛብያ ሕላሱውን ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፡ እቲ ብልሒ ሕላሱ ኸኣ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ሓጺን ይምዘን ነበረ፡ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
8 ተንሲኡ ከኣ ስሉፋት እስራኤል፡ ስለምንታይ ኢኹም ንውግእ ክትስለፉ ዝወጻእኩም፧ ኣነ ፍልስጥኤማዊዶ ኣይኰንኩን፡ ንስኻትኩም ከኣ ገላዉ ሳኦል፧ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ።
9 ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኸአለ፡ ንሕና ባሮትኩም ክንከውን፡ ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና፡ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና፡ ኢሉ ጨደረሎም።
10 እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲኹ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም ኣሎኹ እሞ፡ ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ፡ ሓደ ሰብኣይ ሀቡኒ፡ በለ።
11 ሳኦልን ብዘሎ እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ፈርሁን ተሸበሩን።
12 ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብአይ ብዓል ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ንሱ ብዘበን ሳኦል ኣብ መንጎ ሰባት ዕድሜኡ ዝሐለፈ ኣረጊት ነበረ።
13 እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ደድሕሪ ሳኦል ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስም እቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ደቁ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ኤልያብ፡ እቲ ኻልኣዩ ኣቢናዳብ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይብሀሉ ነበሩ።
14 ዳዊት ከኣ ንሱ እቲ ንእሽቶኦም ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ከዱ።
15 ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤት-ልሄም ኪሕሉ ይመላለስ ነበረ።
16 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ብጊሓትን ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ።
17 እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ ሓደ ኤፋ ኻብዚ ቘሎ እዚ፡ እዚ ዓሰርተ እንግራ እዚ ድማ ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ።
18 እዘን ዓሰርተ ጐጎ ኣጂቦ እዚኤን ከኣ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ ርኢኻስ፡ ካባታቶም ድማ መፈለጥታ ኣምጽአለይ፡ በሎ።
19 ሳኦልን ንሳቶምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።
20 ንጽብሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነተን ኣባጊዕ ኣብ ሓላዊ ሓዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝአዘዞ፡ ነቲ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኺስለፍ ዝወጸ ሰራዊት ንውግእ ኪጭድር ከሎ ድማ፡ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መጸ።
21 እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ጭፍራ ንጭፍራ ኺጋጠሙ ተሳላለፉ።
22 ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቓሑ ኣብ ኢድ ሓላው ኣቓሑ ሐዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፡ መጺኡ ኸኣ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ሓተቶም።
23 ንሱ ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ በዓል ጋት፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ካብቶም ስሉፋት ፍልስጥኤምውያን ተንሲኡ፡ ከምቲ ዘረባ ቐደሙ ገይሩ ተዛረበ፡ ዳዊትውን ሰምዖ።
24 ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ኻብ ቕድሚኡ ሀደሙ፡ ኣዝዮምውን ፈርሁ።
25 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ነዚ ተንሲኡ ዘሎ ሰብአይ እዚ ትርእይዎዶ፧ ኣሎኹም ንእስራኤል ኬባጩ እዩ ተንሲኡ ዘሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነዚ ዚቐትል ሰብኣይ ንጉስ ኬጸግዎ፡ ጓሉ ኸአ ኪህቦ፡ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ናጻ ኺገብሮ እዩ፡ በለ።
26 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን ኰን እዩ፧ ነዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሐቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮ፧ ኢሉ ተዛረቦም።
27 እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነቲ ዚቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢሎም ከምተን ቃላት ገይሮም መለሱሉ።
28 ኤልያብ፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ ድማ ምስቶም ሰባት ኪዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ፡ ኵራ ኤልያብ ኣብ ዳዊት ነዲዱ፡ እንታይ ክትገብር ናብዚ ወረድካ፧ እተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ በረኻ ንመን ገደፍካየን፧ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘሎኻ እሞ፡ ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ ፈሊጠዮ ኣሎኹ፡ በሎ።
29 ዳዊት ድማ፡ እሞ ሕጂኸ እንታይ ገይረ እየ፧ ቃልዶ ኣይኰነን ንሱ፧ በለ።
30 ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ከም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ህዝቢውን ከምቲ ቐዳማይ ዘረባ መለሱሉ።
31 እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ንሳኦል ነገርዎ፡ ንሱ ድማ ናብኡ ኣምጽኦ።
32 ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ብዛዕባ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፡ ጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኺዋጋእ እዩ፡ በሎ።
33 ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ በሎ።
34 ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ፡ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ድማ፡
35 ኣነ ደድሕሪኡ ወጺኤ እቐትሎ፡ ካብ ኣፉውን ኤግድፎ ነበርኩ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጭሕሙ ሒዘ ወቒዔ እቐትሎ ነበርኩ።
36 ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፡ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ከኣ ንሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ፡ በሎ።
37 ዳዊት ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሐነኒ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼድሕነኒ እዩ፡ በለ። ሳኦል ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ በሎ።
38 ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ገበረሉ፡ ድርዒውን ከደኖ።
39 ዳዊት ድማ ሴፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዐጥቀ፡ ምኻድ ኣይፈተነን ነበረ እሞ፡ ኪኸይድ ጀመረ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ እሞ፡ ምስ እዝስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ካብኡ ኣራገፎ።
40 በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሐርዩ ናብቲ ኺጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቚርባበሻን ማሕፉዳን ኣንበሮ። ወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ።
41 እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ እናሰጐመ ናብ ዳዊት ቀረበ። እቲ ዋልታኡ ዚጸውር ሰብኣይ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
42 እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ተኵሩ ምስ ረአዮ። ንሱ ቐይሕ መልክዓኛ ዀተት ነበረ እሞ፡ ነዐቖ።
43 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ብበትሪ እትመጸንስ ኣነ ኸልቢዶ እየ፧ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ።
44 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ፡ በሎ።
45 ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዅናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣሎኻ፡ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ ኣሎኹ።
46 ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክቐትለካ፡ ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ፡ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።
47 እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ።
48 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ኸደ። ንዳዊት ኪቃባበሎ ምስ ቀረበ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ።
49 ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ቚርባበሻ ኣእትዩ፡ ካብኡ ኸኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ግምባሩ ኣንሀሎ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ አተወት፡ ንሱ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ።
50 በዚ ኸምዚ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን።
51 ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፡ ነቲ ሴፉ ወሲዱ ድማ ካብ ሰገባኡ መሰቶ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ርእሱ ቘረጾ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ሀደሙ።
52 ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ኣውክዑ እሞ፡ ክሳዕ እታ ንጋት እትአትወላ፡ ክሳዕ ደጌታት ዔቅሮን ሰጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጋትን ክሳዕ ዔቅሮንን ተወጊኦም ወደቑ።
53 ደቂ እስራኤል ከኣ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፡ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ።
54 ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። ኣጽዋሩ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።
55 ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ኺወጽእ ምስ ረአዮ፡ ንኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት፡ ኣታ ኣብኔር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ፧ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ህያው ነፍስኻ ኢለ ዘይፈልጦ፡ በለ። 56
እቲ ንጉስ ድማ፡ እምበኣርሲ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ንስኻ ሕተት፡ በለ።
57 ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎ፡ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ኣብ ኢዱ ነበረት።
58 ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ፧ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም እየ፡ በለ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።
2 ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ወሰዶ፡ ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን።
3 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተአታተዉ።
4 ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ አውጺኡ ንዳዊት ሀቦ፡ ክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ።
5 ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዅሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላዉ ሳኦልን ተፈትወ።
6 ኰነ ድማ ምስ አተዉ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ።
7 እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ።
8 ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለ፡ ንዳዊት እልፊ ሀባኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሀባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ።
9 ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ።
10 ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየ፡ ዳዊት ድማ ከም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ኣብ ኢድ ሳኦል ከአ ኵናት ነበረ።
11 ሳኦል ድማ፡ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ፡ ኢሉ ዅናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰ።
12 እግዚኣብሄር ካብ ሳኦል ኣግለሲሱ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዳዊት ፈርሆ።
13 ስለዚ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸኣ ይወጽእን ይአቱን ነበረ።
14 ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ መገዱ ኣስተውዓሊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ።
15 ሳኦል ድማ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ኸም ዝዀነ ምስ ረአየ፡ ንእኡ ፈርሆ።
16 ብዘለዉ እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ቅድሚኦም ይወጽእን ይአቱን ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ፈተውዎ።
17 ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ እንሆ፡ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኰነካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ሓንትስ ጽኑዕ ወዲ ኹነለይ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ከኣ ተዋጋእ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ትኹን እምበር፡ ኢደይሲ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በለ።
18 ዳዊት ድማ ንሳኦል፡ ሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ህይወተይከ እንታይ እያ፧ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ፧ በሎ።
19 ኰነ ኸኣ፡ ሜራብ ጓል ሳኦል፡ በታ ንዳዊት እትምርዐወላ ጊዜ፡ ንሳ ንዓድርኤል፡ እቲ መሖላታዊ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋህበት።
20 ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዳዊት ፈተወቶ፡ እዚ ንሳኦል ነገርዎ፡ እቲ ነገር ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበሎ።
21 ሳኦል ድማ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ፡ ንእኣ ኽህቦ እየ፡ በለ። ስለዚ ሳኦል ንዳዊት፡ ሎሚውን ካልኣይ ሳዕ ሓሞይ ክትከውን ኢኻ፡ በሎ።
22 ሳኦል ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ ንዳዊት፡ እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኣሎ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ፈትዮምኻ ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ሓሙ ንጉስ ኩን፡ ኢልኩም ብሕቡእ ተዛረብዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
23 እቶም ገላዉ ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ተዛረቡ። ዳዊት ከኣ፡ ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብአይ ክነሰይ፡ ሓሙ ንጉስ ምዃንሲ ንእሽቶ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ፡ በለ።
24 እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ከምዚ ዝበለ ዘረባ ተዛሪቡ፡ ኢሎም ነገርዎ።
25 ሳኦል ድማ በለ፡ ንዳዊት ከምዚ በልዎ፡ ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ፡ በጀካ ሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን፡ ዚደልዮ ብልዒት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬውድቖ ሐሲቡ ነበረ።
26 እቶም ገላዉኡ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ሽዑ ሓሙ ንጉስ ኪኸውን ነገሩ ንዳዊት ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። ገና እተን መዓልትታት ከይአኸላ ድማ፡
27 ዳዊት ተንሲኡ፡ ንሱ ምስ ሰቡ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ዳዊት ከኣ ሓሙ ንጉስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዕልቦኦም ኣምጽኤ፡ ብምሉእ ቊጽሮም ድማ ንንጉስ ኣወፈየ። ሳኦል ከኣ ጓሉ ሚካል ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።
28 ሳኦል ድማ እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረአየን ፈለጠን። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ፈተወቶ።
29 ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሆ፡ ሳኦል ምሉእ ዕድሜኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ።
30 ሽዑ ሹማምቲ ፍልስጤማውያን ወጹ። ኰነ ድማ፡ ብዝወጹላ መጠን፡ ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ዳዊት ኣስተውዓሊ ነበረ፡ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ።

 

1 ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ገላዉኡን ንዳዊት ኪቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ኣብ ዳዊት ብዙሕ ፍቕሪ ነበሮ።
2 ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣቦይ ሳኦል ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ጽባሕ ተጠንቀቕ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኣግሊስካውን ተሐባእ።
3 ኣነ ኸኣ ኣብታ ንስኻ ዘሎኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፡ ኣነ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፡ ገለ እንተ ርኤኹውን ክነግረካ እየ፡ ኢሉ ነገሮ።
4-5 ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል፡ ዳዊት ኣይበደለካን፡ ግብሩ ኸኣ ንኣኻ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። ነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን ነዚ ርኢኻ ተሐጐስካ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታልካ ኣብ ንጹህ ደም እትሐጥእ፧ ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረበ።
6 ሳኦል ከኣ ዘረባ ዮናታን ሰምዔ፡ ሳኦል ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ ኣይመውትን እዩ፡ ኢሉ መሐለ።
7 ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ፡ ዮናታን ከኣ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
8 መሊሱ ድማ ውግእ ኰነ። ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ፡ ብርቱዕ ስዕረትውን ሰዐሮም፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ሀደሙ።
9 እቲ ኽፉእ መንፈስ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ንሱ ዅናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ።
10 ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዅናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ደለየ፡ ንሱ ግና ካብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፡ እቲ ዅናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። ዳዊት ከኣ ሀዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ።
11 ሳኦል ድማ፡ ሕልው ሐዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎስ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሐንካ፡ ጽባሕ ክትመውት ኢኻ፡ ኢላ ነገረቶ።
12 ሚካል ከኣ ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ፡ ንሱ ኸደ፡ ሀዲሙውን ኣምለጠ።
13 ሚካል ድማ ምስሊ ጣኦት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ መኼዳ ጸጒሪ ጤል ገበረትሉ፡ ክዳንውን ከደነቶ።
14 ሳኦል ንዳዊት ኬምጽእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፡ ንሱ ሓሚሙ ኣሎ፡ በለት።
15 ሽዑ ሳኦል፡ ምእንቲ ክቐትሎስ፡ ብዓራት ጌርኩም ኣደይቡለይ፡ ኢሉ ንዳዊት ኪርእይዎ ነቶም ልኡኻት ሰደዶም።
16 እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ እንሆ፡ እቲ ምስሊ ጣኦት መኼዳ ጸጒሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ።
17 ሽዑ ሳኦል ንሚካል፡ ስለምንታይከ ነቲ ጸላእየይ ኬምልጥ ይኺድ ብምሕዳግኪ ዝጠበርክኒ፧ በላ። ሚካል ከኣ ንሳኦል፡ ንሱ፡ ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰነስ ክቐትለኪ እየ፡ ኢሉኒ፡ በለቶ።
18 ዳዊት ድማ ሀዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ኸኣ መጸ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ዅሉ ድማ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ከኣ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ተቐመጡ።
19 ንሳኦል ድማ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
20 ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከኣ፡ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዚመርሖም፡ ጉባኤ ነብያት ኪንበዩ ምስ ረአዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል ድማ መጸ፡ ንሳቶም ከኣ ተነበዩ።
21 እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ድማ ተነበዩ።
22 ሽዑ ንሱ ናብ ራማ ኸደ፡ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዔላ ምስ መጸ ድማ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ኢሉ ጠየቐ። እነሆ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ በሎ።
23 ንሱ ኸኣ ናብኡ፡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኸደ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ መጸ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ እናተነበየ ኸደ።
24 ንሱ ድማ ክዳውንቱ ደርብዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፡ ጥራዩ ዀይኑ ኸኣ መዓልቲ መላእን ለይቲ መላእን ወዲቑ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ ይብሉ ኣለዉ።

 

1 ዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሀዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣበሳይከ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ፧ በለ።
2 ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆ፡ ኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዚገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደአ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሐብአለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ፡ በሎ።
3 ዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዚ ኣይፍለጥ፡ ይብል፡ ግናኸ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሐለ።
4 ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፡ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎ።
5 ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ።
6 ኣቦኻ እንተ ሰአነኒ፡ ንብዘለዉ ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ከተማኡ ኺጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ በሎ።
7 ደሓን እንተ በለካ፡ ንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፉእ ከም ዝመደበ ፍለጥ።
8 እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮ፡ ንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉ። ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሓኒ፡ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በሎ።
9 ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሐቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም እተመደበካ እንተ ደአ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ፧ በለ።
10 ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፡ ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደአ፡ መን ይነግረኒ፧ በሎ።
11 ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ንዓናይ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ በሎ። ክልቲኦም ከኣ ናብ መሮር ወጹ።
12 ዮናታን ድማ ንዳዊት በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡
13 እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ኣቦይ ንኽፉእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን።
14 ገና ብህይወት እንተ አልየስ ምእንቲ ኸይመውት፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ።
15 እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኤ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለአለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ።
16 ሽዑ ዮናታን፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን አተወ።
17 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሐሎ።
18 ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ።
19 ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብታ እቲ ኽፉእ ኪግበር እተሐስበላ መዓልቲ ተሐቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ።
20 ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውር፡ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ።
21 እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ።
22 ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ።
23 ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እዩ፡ በሎ።
24 ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መአዲ ተቐመጠ።
25 ንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከኣ ተንስኤ፡ ኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት።
26 ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሄን፡ ብርግጽ ኣይነጽሄን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን፡
27 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሔት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱ፡ ወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መአዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧ በሎ።
28 ዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡
29 ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ምሉቚ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ በለኒ፡ ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ።
30 ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛ፡ ንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሐሬኻስ ኣይፈልጥን ድየ፧
31 ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሓደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽአለይ፡ በሎ።
32 ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዚመውት፡ እንታይከ ገይሩ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
33 ሳኦል ድማ ኪወግኦ ዅናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበ፡ ፈለጠ።
34 ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ መአዲ ተንስኤ፡ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሐፈሮ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዔን።
35 ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸ፡ ንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ።
36 ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮ፡ በሎ። እቲ ወዲ ኺጐዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ።
37 እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ፍላጻ ዝውርወረላ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን፧ በሎ።
38 ዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍ፡ ደው ኣይትበል፡ ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ መጸ።
39 ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠን።
40 ዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡ፡ ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ፡ በሎ።
41 እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዐሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ።
42 ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለአለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ።
43 ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ አተወ።

 

1 ዳዊት ድማ ናብቲ ኻህን ኣሂሜሌክ ናብ ኖብ መጸ፡ ኣሂሜሌክ ከኣ ራዕራዕ እናበለ ንዳዊት ኪቃባበሎ መጸ፡ ከምዚ ኢሉውን ጠየቖ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሰብ ዜብልካ በይንኻ፧ በሎ።
2 ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሂሜሌክ፡ ንጉስ፡ እቲ ኣነ ዝለአኽኩኻ ነገርን እቲ ዝአዝዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ፡ ኢሉ ኣዚዙኒ እዩ እሞ ነቶም ኣጕባዝ ናብ ከምዝን ከምዝን ዝበለ ቦታ ኣመልከትክዎም።
3 ሕጂ ኸኣ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ፧ ሓሙሽተ እንጌራ ወይ እተረኽበ ኣብ ኢደይ ሀበኒ፡ በሎ።
4 እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት፡ ማንም ዚበልዖ እንጌራ ኣብ ኢደይ የልቦን፡ እቶም ኣጕባዝ ካብ ኣንስቲ እንተ ተሐልዮም ግና፡ ቅዱስ እንጌራ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሉ።
5 ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህን፡ ብሓቂ ኣንስትስ ካብ ትማልን ቅድሚ ትማልን ካባና ፍሉያት እየን፡ ኣቓሑ እቶም ኣጕባዝ ድማ በታ ዝወጻእኩላ ጊዜ ቅዱስ ነበረ፡ እታ መገዲ እኳ ዘይቅድስቲ እንተ ዀነት፡ ሎምስ በቲ ኣቓሑ ትቕደስ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ።
6 እቲ ኻህን ከኣ፡ ብዘይ እቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተላዕለ እንጌራ ምርአይ፡ በታ እተላዕለላ መዓልቲ ውዑይ እንጌራ ምእንቲ ኼንብሩ፡ ኣብኡ ኻልእ እንጌራ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ቅዱስ እንጌራ ሀቦ።
7 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ካብ ገላዉ ሳኦል ዶኤግ ዝስሙ ኤዶማዊ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚሕሎ ኣብኡ ነበረ፡ ንሱ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ።
8 ዳዊት ድማ ንኣሂሜሌክ፡ እቲ ናይ ንጉስ ነገር ስለ ዝሀወኸ፡ ሴፈይን ኣጽዋረይን ኣይተማላእኩን እሞ፡ ገለ ዅናት ወይ ሴፍ ኣብዚ ኣብ ኢድካዶ የልቦን፧ በሎ።
9 እቲ ኻህን ድማ፡ ሴፍ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ድዋ ዝቐተልካዮ ጐልያድ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ፡ እንሆ፡ ንሱ ብዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፎድ፡ ኣብኡ ኣሎ፡ ኣብዚ ብጀካኡ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሌኻስ፡ ውሰዶ፡ በለ። ዳዊት ከኣ፡ ከምኡ ዝበለ የልቦን፡ ሀበኒ፡ በለ።
10 ዳዊት ድማ ተንሲኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሀዲሙ፡ ናብ ኣኪሽ ንጉስ ጋት መጸ።
11 ንኣኪሽ ከኣ እቶም ገላዉኡ፡ እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ሃገር ደይኰነን፧ እቲ፡ ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ከኣ እልፉ ቐተለ፡ ኢለን እናሳዕሰዓ ዝደረፋሉ፡ እዚ ደይኰነን፧ በልዎ።
12 ዳዊት ድማ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፡ ንኣኪሽ ንጉስ ጋት ከኣ ኣዝዩ ፈርሆ።
13 ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ህልዋቱ ለወጠ፡ ኣብ ኢዶም ድማ ከም ዕቡድ ኰነ፡ ንመዓጹ እቲ ደገውን ሐንፈጦ፡ ልዛዩ ኸአ ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ።
14 ሽዑ ኣኪሽ ንገላዉኡ፡ እንሆ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ ኣሎኹም፡ ስለምንታይ ናባይ ኣምጻእኩምዎ፧
15 ኣብ ቅድመይ ኪዐብድ ዘምጻእኩምለይሲ፡ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ፧ እዚዶ ናብ ቤተይ ይአቱ፧ በሎም።

 

1 ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ ናብ በዓቲ ኣዱላም ሀደመ። ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን እዚ ምስ ሰምዑ ኸአ፡ ናብኡ ወረዱ።
2 ኵሎም ጭኑቓት ሰብን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም እተመረረት ሰብን ናብኡ ተአከቡ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለቓ ዀነ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ከአ ምስኡ ነበሩ።
3 ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ሚጽጳ ናይ ሞኣብ ከደ፡ ንንጉስ ሞኣብ ከኣ፡ ኣምላኽ ዝገበረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ኪዀኑ ይምጽኡ፡ በሎ።
4 ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምጽኦም፡ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልትታት ከኣ ምስኡ ተቐመጡ።
5 ነብዪ ጋድ ድማ ንዳዊት፡ ኣብዚ እምባ ኣይትቀመጥ፡ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ።
6 ሳኦል ድማ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተጋህዱ፡ ሰምዔ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ ዅናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ።
7 ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ገላዉኡ፡ ኣቱም ብንያማውያን፡ እስከ ስምዑ፡ ወዲ እሴይሲ ንዅሉኹምዶ ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ፧ ንዅሉኹምዶኸ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ኪገብረኩም እዩ፧
8 ኵሉኹም ደአ እተማሓሐልኩምለይ፡ ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የልቦን። ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ ንምድባቕ ኬተንስኣለይ ከሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝሐመመለይን ዝገለጸለይን የልቦን፡ በሎም።
9 ሽዑ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ፡ ምስቶም ገላው ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንወዲ እሴይ ናብ ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ፡ ኣብ ኖብ መጺኡ ርእየዮ።
10 ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፡ ምግቢውን ሀቦ፡ ሴፍ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ሀቦ፡ ኢሉ መለሰ።
11 ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንብዘላ ቤት ኣቦኡ፡ ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናትን ልኢኹ ጸውዖም። ኵሎም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ።
12 ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ እስኪ ስምዓኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ።
13 ሳኦል ድማ፡ ንሱ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ፡ ንድብቕ ኪትንስኣኒ፡ ንእኡ እንጌራን ሴፍን ብምሃብካ፡ ኣብ ክንዳኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፡ ስለምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን እተማሓሓልኩምለይ፧ በሎ።
14 ኣሂሜሌክ ከአ ንንጉስ፡ ካብ ኵሎም ገላዉኻኸ ከም ዳዊት ገይሩ እተአምነ፡ ሓሙ ንጉስውን ዝዀነ፡ ዚእዘዘካ ድማ፡ ኣብ ቤትካውን ዝኸበረ፡ መን እዩ፧
15 ሎሚ ድየ ንኣምላኽ ክጥይቐሉ ዝጀመርኩ፧ እዝስ ካበይ ይርሐቕ፡ ጊልያኻ እዚ ዅሉ ነገር እዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ፡ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ነገር ኣይጽዐኖም፡ ኢሉ መለሰሉ።
16 ንጉስ ግና፡ ኣሂሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም፡ በለ።
17 እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቘሙ ዘብዓኛታት፡ ዳዊት ከም ዝሀደመ ፈሊጦም ከለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፡ ኢዶምውን ምስኡ ስለ ዝዀነት፡ ዜርኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም፡ በሎም። እቶም ገላዉ ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ኪዝርግሑ ኣይፈተዉን።
18 ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶኤግ፡ ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ቅተሎም፡ በሎ። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ድማ ዞይሩ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ዝለበሱ ሰባት ቀተለ።
19 ንኖብ ነታ ኸተማ ኻህናት ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዓ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚጠብዉ ሕጻናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሴፍ ቀተለ።
20 ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣሂሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጢብሲ፡ ኣብያታር ዝስሙ ኣምሊጡ ደድሕሪ ዳዊት ሀደመ።
21 ኣብያታር ከኣ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ።
22 ዳዊት ድማ ንኣብያታር፡ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ እዚ ንሳኦል ርግጽ ከም ዚነግሮ፡ ሽዑ መዓልቲ ፈሊጠ። ንዅለን ነፍሳት ቤት ኣቦኻ ምኽንያት ሞተን ኣነ እየ።
23 እቲ ንነፍሰይ ዚደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፡ ንስኻ ምሳይ ክትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

 

1 ንዳዊት ድማ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይዋግእዋ፡ ኣዕውዲውን ይወርሩ ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።
2 ሽዑ ዳዊት፡ ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእካ ንቅዒላ ኣድሕና፡ በሎ።
3 ግናኸ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸሎና እኳ፡ እንፈርህ ዘሎናስ፡ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኸድና ግዳ ኺገድድ ደይኰነን፧ በልዎ።
4 ሽዑ ዳዊት መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድ፡ ኢሉ መለሰሉ።
5 ዳዊት ከኣ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ፡ ከብቶም ድማ ዘመተ፡ ብርቱዕ ስዕረት ከኣ ሰዐሮም። በዚውን ዳዊት ነቶም ኣብ ቅዒላ ዚነብሩ ኣድሐኖም።
6 ኰነ ኸኣ፡ ኣብያታር ወዲ ኣሂሜላክ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ምስ ሀደመ፡ ኤፎድ ኣብ ኢዱ ሒዙ ወረደ።
7 ንሳኦል ድማ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝአተወ ነገርዎ። ሳኦል ከኣ፡ ናብታ ማዕጾን መሸጐርን ዘለዋ ኸተማ አትዩ ተዐጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ፡ በለ።
8 ሳኦል ድማ ንዳዊትን ንሰቡን ኪኸቦም ንብዘሎ ህዝቢ ኺዋግኡ ናብ ቅዒላ ኺወርዱ አወጀሎም።
9 ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር፡ ኤፎድ ኣምጽእ፡ በሎ።
10 ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ ኸም ዚደሊ፡ ባርያኻ ብርግጽ ሰሚዑ ኣሎ።
11 ከምቲ ባርያኻ ዝሰምዖ፡ ሳኦልዶ ኺወርድ እዩ፡ ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ኺህቡኒ እዮም፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ እዚ ንባርያኻ ኣፍልጦ፡ በለ።
12 ዳዊት ድማ፡ ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰበይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ኪህቡኒ እዮም፧ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኻ እዮም፡ በለ።
13 ሽዑ ዳዊትን እቶም ሹድሽተ ሚእቲ ዝዀኑ ሰቡን ተላዒሎም ካብ ቅዒላ ወጹ። ኪኸድዎ ናብ ዝኸአሉ ዘበለ ድማ ተመላለሱ። ንሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሀደመ ምስ ነገርዎ፡ ምውጻእ ሐደጎ።
14 ዳዊት ከኣ ኣብ በረኻ ኣብ እምባታት ተቐመጠ፡ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዚፍ ዘሎ ኸረንውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከኣ ኵሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሀቦን።
15 ዳዊት ድማ ሳኦል ንነፍሱ ኺደልያ ኸም ዝወጸ ርእዩ፡ ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ዱር ነበረ።
16 ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደ፡ ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ።
17 ንሱ በሎ፡ ኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ፡ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ።
18 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ድማ ኣብቲ ዱር ተቐመጠ፡ ዮናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ።
19 ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም ከምዚ በሉ፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ እምባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብደቡብ በረኻ ዘሎ ዅርባ ሓኪላ ተሐቢኡዶ ኣየሎን፧
20 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ምውራድሲ፡ ከምቲ ዅሉ ድላይ ነፍስኻ ውረድ፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናትና እዩ፡፡
21 ሳኦል ድማ በለ፡ ስለ ዝደንገጽኩምለይ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም፡፡
22 ንሱ ኣዝዩ ጎራሕ ከም ዝኾነ፡ ነጊሮምኒ እዮም እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም እግሩ ኣብ ኣየናይ ቦታ ኸም ዝረገጸት፡ ኣብኣ ኸኣ መን ከም ዝረኣዩ፡ መሊስኩም ኣርጊጽኩም ፍለጡን ርኣዩን፡፡
23 እቲ ንሱ ዚሕብኣሉ ዘበለ መሕቢኢታት ርኢኹም ከኣ ፍለጡ፡ እቲ ነገሩ ምስ ኣርገጽኩምዎ ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፡ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ፡፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር እንተሎ፡ ኣብ ኵሎም ኣሽሓት ይሁዳ ኺደልዮ እየ፡፡
24 ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ፡፡ ዳዊትን ሰቡን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ነቲ በረኻ ብወገን ደቡቡ ኣብ ዘሎ ጎልጎል ነበሩ፡፡
25 ሳኦልን ሰቡን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ፡፡ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ናብቲ ኸውሒ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ተቐመጠ፡፡ ሳኦል ድማ፡ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዓበ፡፡
26 ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ፡፡ ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ኪሕዝዎም ከቢቦምዎ ነበሩ እሞ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ህደመ፡፡
27 ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዋ ኣለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ፡ በሎ፡፡
28 ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰ፡ ንፍልስጥኤማውያን ኪቃባበሎም ከደ፡ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ ሴላዕ-ማሕልቆት ኢሎም ሰመይዋ፡፡

 

1 ዳዊት ድማ ካብኡ ደዪቡ ኣብ ጽኑዕ ቦታታት ዔን-ገዲ ተቐመጠ፡፡
2 ኮነ ኸኣ፡ ሳኦል ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔን-ገዲ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ፡፡
3 ሽዑ ሳኦል፡ ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሓረዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ንዳዊትን ሰቡን ኣብ ኣኻውሕ ጤለ-በዱ ኺደልይዎ ከደ፡፡
4 ናብቲ ጥቓ መገዲ ዝነበረ ደምቤታት ኣባጊዕ ድማ መጸ፡ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ፡ ሳኦል ድማ እግሩ ኪኸድን አተወ። ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።
5 ሽዑ እቶም ሰብ ዳዊት፡ እታ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብሮስ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ዝበለካ መዓልቲ እንሃ፡ ሎሚ እያ፡ በልዎ። ዳዊት ድማ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ።
6 ድሕርዚ ግና፡ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ንዳዊት ልቡ ወቕዖ።
7 ንሰቡ ድማ፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎም።
8 ዳዊት ነቶም ሰቡ ብዘረባኡ ዐገቶም፡ ኣብ ሳኦል ኪትንስኡ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓት ተንሲኡ መገዱ ኸደ።
9 ድሕርዚ ዳዊት ተንሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወጸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢሉ ኸኣ ደድሕሪ ሳኦል ጸውዔ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ እሞ፡ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።
10 ዳዊት ድማ ንሳኦል በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም፡ እንሆ፡ ዳዊት ንኽፉእካ እዩ ዚደሊ፡ ዚብሉኻ ሰባት እትሰምዕ፧
11 እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብቲ በዓቲ ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሀበኒ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣዒንትኻ ርእይን እየን። ክቐትለካ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግና፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኢደይ ናብ ጐይታይ ኣይዝርግሕን ኢለ ነሐፍኩኻ።
12 ኣቦየ፡ ርኤ፡ እወ፡ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎን፡ ርኤ፡ ጫፍ ክዳንካ ክቘርጽ ከሎኹ፡ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ኣብ ኢደይ ክፍኣት ኰነ፡ በደል ኰነ ከም ዜልቦ ፍለጥን ርኤን። ንስኻ ኸኣ ንነፍሰይ ክትወስድ እትደሊ ኽነስኻስ፡ ኣባኻ ኣይሐጣእኩን።
13 እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ ሕነ ይፍደየለይ፡ ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።
14 ከምቲ ምስላ እቶም ቀዳሞት፡ ክፉእ ካብቶም ክፉኣት ይወጽእ፡ ዚብሎ እዩ። ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።
15 ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ፡ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ፡ ንምዉት ከልቢ፡ ንሓደ ቘንጪ።
16 ስለዚ እግዚኣብሄር ዳኛ ዀይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ ንሱ ኸኣ ርእዩ ንነገረይ ይከላኸለለይ፡ ፈሪዱ ድማ ካብ ኢድካ የድሕነኒ።
17 ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት እዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ሳኦል፡ እዚ ቓል እዚ ቓልካ ድዩ ወደይ ዳዊት፧ ኢሉ ድማ፡ ሳኦል ዓው ኢሉ በኸየ።
18 ንዳዊት ከኣ በሎ፡ ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ፡ ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፡ ካባይሲ ንስካ ትጸድቕ።
19 እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉኒ ኽነሱስ፡ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ጽቡቕ ከም ዝገበርካለይ፡ ሎሚ ኣርኤኻ።
20 ሰብ ንጸላኢሉ ምስ ዚረኽቦስ፡ ብደሓንዶ መገዱ ይሰዶ፧ ስለዚ ድማ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ይፍዴኻ።
21 ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ ንስኻ ብርግጽ ከም እትነግስ፡ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ ኢድካ ኸም እትቐውም፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
22 ሕጂ ኸኣ፡ ብድሕረይ ንዘርኤይ ከይተጽንቶ፡ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍኦ፡ ብእግዚኣብሄር ምሐለለይ።
23 ዳዊት ድማ ንሳኦል መሐለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ፡ ዳዊትን ሰቡን ግና ናብ እምባ ደየቡ።

 

1 ሳሙኤል ድማ ሞተ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ተአኪቦም በኸዩሉ፡ ኣብ ራማ ኣብ ቤቱ ድማ ቀበርዎ። ሽዑ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ወረደ።
2 ሓደ ሰብኣይ፡ ተግባሩ ኣብ ቀርሚሎስ ከሎ፡ ኣብ ማዖን ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ሰለስተ ሽሕ በጊዕ፡ ሽሕ ከኣ ጤል ነበራኦ፡ በቲ ጊዜ ቲ ድማ፡ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ።
3 ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ናባል፡ ስም ሰበይቱ ድማ ኣቢጋይል ነበረ። እታ ሰበይቱ ኸኣ ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት። እቲ ሰብኣይ ግና ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሌት ካሌብ ነበረ።
4 ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቘርጽ ከም ዘሎ ሰምዔ።
5 ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጕባዝ ለአኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጕባዝ በሎም፡ ናብ ቀርቤሎስ ደዪብኩም ናብ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ፡ ከመይ ኢልካ ኣሎኻ፡ በልዎ።
6 ከምዚ ድማ በልዎ፡ ጥዕና ይሀበለይ፡ ንኣኻ ሰላም፡ ንቤትካ ሰላም፡ ንዘሎካ ዅሉውን ሰላም።
7 ሕጂ ኸኣ ቈረጽቲ ኣባጊዕ ከም ዘለዉኻ ሰሚዔ። እምበኣርሲ እቶም ጓሶትካ ምሳና እዮም ዝነበሩ፡ በቲ ኣብ ቀርሜሎስ ዝነበሩሉ ዅሉ ጊዜ ኣየስተሐፈርናዮምን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይጠፍኦምን።
8 ንገላዉኻ ጠይቆም፡ ንሳቶም ከኣ ኪነግሩኻ እዮም። ብጽብቕቲ መዓልቲ መጽእና ኣሎና እሞ፡ እዞም ኣጕባዝ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ ይርከቡ፡ በጃኻ፡ ኣብ ኢድካ እተረኽበ ንገላዉኻን ንወድኻን ዳዊትን ሀቦም።
9 እቶም ገላዉ ዳዊት ምስ መጹ ድማ፡ እዚ ነገርዚ እዚ ዅሉ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፡ ስቕ ከኣ በሉ።
10 ናባል ድማ ነቶም ገላዉ ዳዊት፡ ዳዊት መን እዩ፧ ወዲ እሴይከ መን እዩ፧ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላዉ ብዙሓት እዮም።
11 እንገኢራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢሉ ዝሐረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ፧ ኢሉ መለሰሎም።
12 እቶም ገላዉ ዳዊት ድማ መገዶም ተመልሱ። መጺኦም ድማ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ነገርዎ።
13 ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዐጠቑ፡ በለ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሴፉ ተዐጥቀ፡ ዳዊትውን ሴፉ ተዐጥቀ። ደድሕሪ ዳዊት ከኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ኸኣ ኣብ ኣቓሑ ተቐመጡ።
14 ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ከምዚ በላ፡ እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረካ ንጐይታና ሰላም ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ሰጐጎም።
15 እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣናስ ብዙሕ ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፡ ኣየስተሐፈሩናንውን፡ በቲ ኣብ በረኻ ምሳታቶም እተማላለስናሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን።
16 እቲ ኣባጊዕ ክንጓሲ ምሳታቶም ከሎና ለይቲ ዀነ፡ መዓልቲ ዀነ፡ ኵሉ ጊዜ መካበብያ ዀይኖምና ነበሩ።
17 ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይኽእል ወዲ ብልያል እዩ እሞ፡ ሕጂ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ተመዲብዎ ኣሎ፡ ስለዚ ርአዪ፡ እትገብርዮ ኸኣ ፍለጢ።
18 ሽዑ ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራ ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዐነቶ።
19 ንግዙኣታ ኸኣ፡ ቀቅድመይ ሕለፉ፡ እኔኹ፡ ክስዕበኩም እየ፡ በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።
20 ኰነ ድማ፡ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ነቲ ኸረን ብኸውለ ኸውሊ ኽትወርድ ከላ፡ እንሆ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኪቃባበልዋ ወረዱ፡ ንሳ ድማ ተጓነፈቶም።
21 ዳዊት ከኣ ከምዚ ኢሉ ነበረ፡ ናይዚ ጥሪት ኵሉ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዘለዎ ዅሉ ገለ እኳ ኸይጠፍኦ፡ ንኸንቱ ጥራይ ሐሎኹሉ። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ መለሰለይ።
22 ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ፡ ካብ ዘለዎ ዅሉ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን፡ ሓደ እኳ እንተ ደአ ሐዲገስ፡ ኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት ከምዚ ይግበሮም ከምዚውን ይወስኮም።
23 ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፡ ቀልጢፉ ኻብ ኣድጊ ወረደት፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገጻ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት።
24 ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ በለቶ፡ ኣታ ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን፡ በጃኻ፡ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረብ፡ ዘረባ ገረድካውን ስማዕ።
25 ጐይታይ፡ ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ፡ ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ እልምን ኣሎኹ። ስሙ ናባል እዩ እሞ፡ ጽላለ ኣለዎ፡ ከምቲ ስሙ፡ ንሱ ኸምኡ እዩ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለአኽካዮም ናይ ጐይታይ ኣጕባዝ ኣይርኤኽዎምን።
26 ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ እቲ ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዘድሐነካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ድማ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ክፉእ ዚደልዩሉን ከም ናባል ይኹኑ።
27 ሕጂ ኸኣ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጽ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጕባዝ ይወሀብ።
28 ጐይታይሲ ውግእ እግዚኣብሄር ዚዋጋእ ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ዕድሜኻ ኣባኻ ገለ ኽፉእ ኣይርከብን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ጽንዕቲ ቤት ከም ዚሰርሓሉ ርግጽ እዩ። እምበኣርሲ በጃኻ፡ በደል ገረድካ ሕደገላ።
29 ሰብ እኳ ኺሰጐካን ንነፍስኻ ኺደልን እንተ ተንስኤ፡ ነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ንነፍሳት ጸላእትኻ ግና ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን።
30 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ጽቡቕ እተዛረበካ ምስ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ሓለቓ ኽትከውን ምስ እዘዘካ፡
31 እቲ ንጹህ ደም ምፍሳስን ሕነ ምፍዳይን ጐይታይን ንዕንቅፋትካን ንምስቃቕ ልቢ ጐይታይን ኣይኹንካ። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፡ ንገረድካ ዘክረኒ።
32-34 ሽዑ ዳዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፉእ ከይገብረኪ ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኢ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝከልከልክኒ ብርኽቲ ዅኒ፡ በላ።
35 ዳዊት ድማ እቲ ዘምጽኣትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉስ፡ ርአዪ፡ ዘረባኺ ሰሚዔ፡ ገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ፡ ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢ፡ በላ።
36 ኣቢጋይል ድማ ናብ ናባል መጸት፡ እንሆ ኸኣ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ምሳሕ ኣብ ቤቱ ነበሮ። ልቢ ናባል ድማ ተሐጐሰ፡ ኣዝዩ ሰኺሩ ኸኣ ነበረ። ስለዚ ንጽቢሒቱ ኽሳዕ ዚበርህ፡ ይንኣስ ይዕበ ገለ እኳ ኣይተዛረበቶን።
37 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጸሉ፡ ሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገርቶ። ሽዑ ልቡ ኣብ ውሽጡ ሞተ፡ ከም እምኒውን ኰነ፡
38 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዚአክል እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ።
39 ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኻብ ኢድ ናባል ዝበጽሓኒ ውርደት ዝፈረደለይ፡ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ይባረኽ። እቲ ኽፍኣት ናባል ከኣ እግዚኣብሄር ናብ ርእሱ መለሰሉ፡ በለ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ልኢኹ ተዛረባ።
40 እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ንቀርሜሎስ ናብ ኣቢጋይል መጺኦም፡ ዳዊት ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኺወስደኪ ኢሉ፡ ናባኺ ልኢኹና፡ ኢሎም ነገርዋ።
41 ሽዑ ንሳ ተንሲኣ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፍኤት፡ እኔኹ ገረድካ፡ ንምሕጻብ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ግዝእቲ እኹን፡ ድማ በለት።
42 ኣቢጋይል ከኣ ቀልጢፉ ተንስኤት፡ ኣድጊ ድማ ተወጥሔት፡ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸኣ ይስዕባኣ ነበራ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ከደት፡ ሰበይቱ ኸኣ ኰነት።
43 ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል ወሰዳ፡ ክልቲኤን ከኣ ኣንስቱ ዀና።
44 ሳኦል ግና ጓሉ ሚካል፡ ሰበይቲ ዳዊት፡ ንፋልጢ ወዲ ላይሽ በዓል ጋሊም፡ ሂብዎ ነበረ።

 

1 እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ መጺኦም፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር በረካ ዘሎ ዅርባ ሓኪላዶ ተሐቢኡ ኣየሎን፧ በልዎ።
2 ሽዑ ሳኦል፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኪደልዮ፡ ኣብ እስራኤል እተሐርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብአይ ምስኡ ሒዙ፡ ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ።
3 ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር በረኻ ኣብ መገዲ ዘላ ዅርባ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ፡ ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ በረኻ ኸም ዝመጸ ምስ ረአየ ድማ፡
4 ዳዊት ሰለይቲ ሰዲዱ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጾ፡ ፈለጠ።
5 ዳዊት ከኣ ተንሲኡ፡ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዘላ ቦታ መጸ። ዳዊት ድማ ሳኦልን ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዚድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ረአየ። ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ስረገላታት ደቀሰ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።
6 ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣሂሜሌክ ሄታውያን ንኣቢሳይ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮኣብን፡ ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር መን ምሳይ ይወርድ፡ በሎም። ኣቢሳይ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ እወርድ፡ በለ።
7 ዳዊትን ኣቢሳይን ከአ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መጹ፡ እንሆ ድማ፡ ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኵናቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።
8 ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት፡ ሎሚ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፡ ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዅናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ፡ በሎ።
9 ዳዊት ግና ንኣቢሳይ፡ ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘርጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን ኣሎ፧ ስለዚ ኣይትቕተሎ፡ በሎ።
10 ዳዊት ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እግዚኣብሄር ኪቐትሎ እዩ፡ ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ይጠፍእ።
11 ኢደይ ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሂር ካባይ የርሕቆ። ሕጂ ድማ፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንኺድ፡ በለ።
12 ዳዊት ከኣ ነቲ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ነበረ፡ ስለዚ ዅሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ዝረአየ የልቦን፡ ዝፈለጠ ኸኣ የልቦን፡ ዝነቕሔውን የልቦን።
13 ዳዊት ድማ ናብ ስግር ሐለፈ፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ቈመ፡ ኣብ መንጎኦም ገፊሕ ቦታ ነበረ።
14 ዳዊት ከኣ ነቶም ህዝብን ንኣብኔር ወዲ ኔርን፡ ኣታ ኣብኔር፡ ኣይትመልስንዶ፧ ኢሉ፡ ጸውዔ። ኣብኔር ድማ፡ ንንጉስ እትጽውዕ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰ።
15 ዳዊት ከኣ ንኣብኔር በሎ፡ ንስኻ ሰብአይ ደይኰንካ፧ ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ደአ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሐሎኻዮ፧
16 እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ስለ ዘይሐሎኹምዎ፡ ንስኻትኩም ደቂ ሞት ከም ዝዀንኩም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዅናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ርኤ።
17 ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ ወደይ ዳዊት፡ እዚ ድምጽኻ ድዩ፧ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እወ ጐይታይ ንጉስ፡ ድምጸይ እዩ፡ በለ።
18 ወሲኹ ድማ በለ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ፧ ስለምንታይ ደአ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዚሰጎ ዘሎ፧
19 እምበአር ሕጅስ በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ። እቲ ናባይ ዝደረኸካ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ፡ ምዑዝ መስዋእቲ ይተዐጠነሉ፡ ደቂ ሰብ እንተ ዀይኖም ግና፡ ኣብ ርስቲ እግዚኣብሄር ክፍሊ ኸይረክብሲ፡ ኪድ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምልኽ ኢሎም፡ ሎሚ ሰጕጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ።
20 ሕጂ ኸኣ ንቖቓሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዚህደን፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቘንጪ ኺደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ደመይ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተፈልዩ ኣብ ምድሪ ኣይፍሰስ።
21 ሽዑ ሳኦል፡ ኣነ በዲለ እየ፡ ወደይ ዳዊት፡ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜካ ስለዝኸበረት፡ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ ተመለስ፡ እንሆ፡ ተጸሊለ አዝየ ተጋጌኹ፡ በለ።
22 ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እቲ ዅናት ንጉስ እንሆ፡ ካብቶም ኣጕባዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ።
23 ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ኣቢለ ኢደይ ክዝርግሕ ኣይፈቶኹን፡ እግዚኣብሄር ደአ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ።
24 እንሆ ድማ፡ ከምቲ ነፍስኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸአ ነፍሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትኽበር፡ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ።
25 ሽዑ ሳኦል ንዳዊት፡ ኣታ ወደይ ዳዊት፡ ብሩኽ ኩን። ምግባርሲ ኽትገብር ኢኻ፡ ብርግጽውን ከተስልጦ ኢኻ፡ በሎ። ዳዊት ድማ መገዱ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

 

1 ዳዊት ድማ ብልቡ፡ ሕጂ ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምህዳም ዚሐይሽ የብለይን፡ ሽዑ ሳኦል እቲ ኣብ ብዘሎ ዶባት ምድሪ እስራኤል ምድላየይ ይሐድግ እሞ፡ ካብ ኢዱ እድሕን፡ በለ።
2 ዳዊት ድማ ተንሲኡ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብን፡ ናብ ኣኪሽ፡ ወዲ ማዖክ ንጉስ ጋት፡ ተሳገረ።
3 ዳዊትን ሰቡን ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ፡ ዳዊትውን ምስ ክልቲኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይልን፡ ብዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባልን፡ ምስ ኣኪሽ ኣብ ጋት ተቐመጡ።
4 ሳኦል ድማ፡ ዳዊት ናብ ጋት ከም ዝሀደመ ምስ ነገርዎ፡ መሊሱ ኣይደለዮን።
5 ዳዊት ከኣ ንአኪሽ፡ ስለምንታይ ጊልያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዚቕመጥ፧ ኣብ ቅድሜኻ መጎስ እንተደኣ ረኺበስ፡ ኣነ ኣብኣ ክቕመጥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኸተማታት ቦታ ይወሀበኒ፡ በሎ።
6 ኣኪሽ ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ጺቅላግ ሀቦ። ስለዚ ጺቅላግ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ንነገስታት ይሁዳ ዀነት።
7 ቍጽሪ እተን ዳዊት ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠለን መዓልትታት ከኣ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኰነ።
8 ዳዊትን ሰቡን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንአማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሹር እተእቱ ኽሳዕ ምድሪ ግብጺ ዘላ ሃገር ተቐሚጦም ነበሩ።
9 ዳዊት ከኣ ነታ ሃገር አጥፍኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ዀነት ድማ ብህይወት ኣይሐደገን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ግና ወሰደ፡ መሊሱ ድማ ናብ ኣኪሽ መጸ።
10 ኣኪሽ ከኣ፡ ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ኣብ ደቡብ ይሁዳን ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያንን ኣብ ደቡብ ቄናውያንን፡ በለ።
11 ዳዊት ከምዚ ገበረ፡ በቲ ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ልማዱ ኸምዚ ነበረ፡ ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፡ ዳዊት ናብ ጋት ኣየምጽኦምን፡ ንሰብኣይ ኰነ ንሰበይቲ ዀነትውን ብህይወት ኣይሐደጎምን።
12 ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ ኣብ ህዝቡ እስራኤል ኣዝዩ ተጸሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ጊልያይ ኪዀነኒ እዩ፡ ኢሉ አመኖ።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ በቲ ጊዜ እቲ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣኪሽውን ንዳዊት፡ ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ኸም እትወጹ ብርግጽ ፍለጥ፡ በሎ።
2 ዳዊት ድማ ንኣኪሽ፡ እምበአር እቲ ጊልያኻ ዚገብሮ ንስኻ ኽትርኢ ኢኻ፡ በሎ። ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ እምበኣር ኵሉ ጊዜ ሓላዉ ነፍሰይ ክገብረካ እየ፡ በሎ።
3 ሳሙኤል ድማ ሞይቱ ነበረ፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ኣልቂሶምሉስ፡ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ራማ ቐቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ መንፈስ ጥንቈላ ንዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጎልን ካብታ ሃገር ሰጒጕዎም ነበረ።
4 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹኔም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ኣብ ጊልቦዓ ኸአ ሰፈሩ።
5 ሳኦል ድማ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረአዮ ፈርሄ፡ ልቡ ኸኣ ኣዝዩ ተሸበረ።
6 ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ፡ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን።
7 ሽዑ ሳኦል ንገላዉኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይ፡ በሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር ኣላ፡ በልዎ።
8 ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ክዳን ተኸዲኑ፡ ንሱ ኽልተ ሰባትውን ምስኡ ዀይኖም ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጹ፡ በጃኺ ብመንፈስ ጥንቈላ ጌርኪ ጠንቍልለይ፡ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይ፡ በላ።
9 እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽነቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧ በለቶ።
10 ሳኦል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኸበኪ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ።
11 ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንስአልካ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል አተንስእለይ፡ በላ።
12 እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፡ እታ ሰበይቲ ንሳኦል፡ ንስኻ ሳኦል ክነስኻ ደአ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒ፧ ኢላ ዓው ኢላ ጨደረት።
13 እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ፡ በለ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ ኣሎኹ፡ በለቶ።
14 ንሱ ኸኣ፡ ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብአይ ይወጽእ ኣሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ንሱ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
15 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒ፧ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ ኣሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሐቐኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይመልሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡ በሎ።
16 ሳሙኤል ድማ በለ፡ እግዚኣብሄር ካብ ረሐቐካ ጸላኢኻውን ካብ ኰነ ደአ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ፧
17 እግዚኣብሄርሲ ከምቲ ብኣይ እተዛረቦ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዎ እዩ።
18 ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካን፡ ከምቲ ንዱድ ኵራኡ ድማ ኣብ ኣማሌቅ ስለ ዘይገበርካን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚአ እዚ ነገር እዚ ገበረካ።
19 እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከኣ ምሳኻ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።
20 ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል ኣዝዩ ፈሪሁ፡ ብኡብኡ ብምሉእ ቊመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከኣ እንጌራ ኣይበልዔን እሞ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን።
21 እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መጺአ፡ ኣዝዩ ከም ዝሰምበደ ርእያ፡ እንሆ፡ ገረድካ ቓልካ ሰሚዓ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ እቲ ዝበልካኒ ዘረባ ተአዘዝኩ።
22 ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ንስኻ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብሲ፡ ቊራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜኻ ኸንብረልካ ብላዕ፡ በለቶ።
23 ንሱ ግና፡ ኣይበልዕን፡ ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ገላዉኡ፡ ምስታ ሰበይቲ ዀይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ።
24 እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ስቡሕ ብተይ ነበራ፡ ተቐላጢፋ ድማ ሐረደቶ፡ ሓርጭ ወሲዳ ኸኣ ኣቘምጢዓ ቕጫ ሰንከተት።
25 ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ቀረበትሎም፡ ንሳቶም ከኣ በሊዖም ተንስኡ፡ በታ ለይቲ እቲአውን ከዱ።

1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ብዘሎ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤልውን ኣብ ይዝርኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ።
2 እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውይን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኰይኖም ተጓዕዙ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ምስ ኣኪሽ ደጀን ኰይኖም ይጐዐዙ ነበሩ።
3 ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዞም እብራውያን እዚኣቶም ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ በሉ። ኣኪሽ ድማ ንሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዝስ እቲ በዘን መዓልታት ወይ በዘን ዓመታት እዚኤን ምሳይ ዝነበረ ዳዊት፡ ጊልያ ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኰነን፧ ካብታ ናባይ እተጸግዓላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ በሎም።
4 እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ግና ኰረዩሉ እሞ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን በልዎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብታ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ኪቕመጥሲ፡ ናብኣ ምለሶ። እዚ ንጐይታኡ ደአ ብምንታይ እዩ ዘሐጐሶ፡ ብርእሲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኣይከነን፧ እምበኣር ኣብ ውግእ ተጻራሪ ምእንቲ ኸይኰነናስ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይውረድ።
5 እዝስ እቲ እናሳዕስዓ፡ ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ፡ ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኰነን፧
6 ሽዑ ኣኪሽ ንዳዊት ጸዊዑ፡ ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝዀንካ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ካብታ ናባይ ዝመጻእካላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ ኽፉእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፡ ኣብዚ ሰራዊት ምሳይ ምእንታውካን ምውጻእካን ባህ ይብለኒ ነይሩ፡ ነዞም ሹማምቲ ግና ባህ ኣይበልካዮምን።
7 እምበአር ሕጅስ ንሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ዜጒሂ ኸይትገብርሲ፡ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ፡ በሎ።
8 ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ እንታይ ኣሞ ገይረ እየ፧ ከይደ ምስ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእሲ፡ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝዀንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ጊልያኻ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ፧ በሎ።
9 ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ ኣምላኽ ጽቡቕ ከም ዝዀንካ እፈልጥ ኣሎኹ፡ እዞም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ደአ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይደይብ፡ ኢሎም።
10 ሕጂ ኸኣ፡ ጽባሕ ምስቶም ምሳኻ ዝመጹ ገላዉ ጐይታኻ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ጽባሕ ኣንጊህኩም ተንሲእኩምሲ ምስ በርሃልኩም ኪዱ።
11 ዳዊት ከኣ ንሱን ሰቡን ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኪምለስ፡ ንግሆ ኺነቕሉ፡ ኣንጊሆም ተንስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ይዝርኤል ደየቡ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ጺቅላግ ምስ መጹ፡ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንጺቅላግን ሓደጋ ወዲቖምወን ነበሩ፡ ንጺቅላግ ከኣ ስዒሮም ብሓዊ ኣንዲዶምዋ ነበሩ።
2 ነንስትን ኣብኣ ንዝጸንሑ ዅሎምን ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፡ ግናኸ ማሪኾም ደአ መገዶም ከዱ እምበር፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተሉን።
3 ዳዊትን ሰቡን ናብታ ኸተማ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ብሓዊ ነዲዳ፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ተማሪኾም ነበሩ።
4 ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።
5 ክልቲኤን ኣንስቲ ዳዊት፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስን ከኣ ተማሪኸን ነበራ።
6 ነፍሲ ዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ እተመረረ፡ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዩ ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸንዔ።
7 ዳዊት ድማ ንኻህን ኣብያታር፡ ወዲ ኣሂሜሌክ፡ በጃኻ ኤፎድ ኣምጽአለይ፡ በሎ። ኣብያታር ከኣ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምጽኦ።
8 ዳዊት ድማ፡ ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ፧ ከርክቦምዶኸ፡ እኽእል እየ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ከተርክቦም፡ ብርግጽውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፡ ስዐቦም፡ በሎ።
9 ሽዑ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፡ ኣብ ርባ በሶር ምስ በጽሑ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብኡ ጸንሑ።
10 ክልተ ሚእቲ ሰባት ንርባ በሶር ምስጋር ክሳዕ ዚስእኑ ደኺሞም ድሕሪት ተረፉ፡ ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰዐቡ።
11-12 ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎም። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎ፡ ቍራስ ጐግ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ።
13 ዳዊት ድማ፡ ንስኻ ናይ መን ኢኻ፧ ካበይከ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ግብጻዊ ወዲ፡ ጊልያ ኣማሌቃዊ ሰብአይ እየ። ሓሚመ ሰለስተ መዓልቲ ገይረ እየ እሞ፡ ጐይታይ ሓዲጉኒ።
14 ንሕና ኣብ ደቡብ ከሬጣውያንን ኣብቲ ናይ ይሁዳን ኣብ ደቡብ ካሌብውን ሓደጋ ወደቕና፡ ንጺቅላግ ከኣ ብሓዊ ተኰስናያ፡ በለ።
15 ዳዊት ድማ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራዶ ተውርደኒ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራ ከውርደካስ፡ ከይትቐትለኒ፡ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፡ ብኣምላኽ ምሐለለይ፡ በለ።
16 ንሱ ምስ ኣውረዶ ኸኣ፡ እንሆ፡ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ።
17 ዳዊት ድማ ጽልግልግ ኪብል ከሎ ጀሚሩ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ምሸት ይቐትሎም ነበረ። ብጀካ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተወጢሖም ዝሀደሙ ኣጕባዝ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ አየምለጠን።
18 ዳዊት ከኣ ነቲ ኣማሌቃውያን ወሲዶምዎ ዝነበሩ ዅሉ ኣምለሶ፡ ዳዊት ንኽልቲኤን አንስቱውን ኣምለሰን።
19 ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ካብ ኣወዳት ኰነ፡ ካብ ኣዋልድ፡ ካብ እተዘምተ ዘበለ ኽሳዕ ኵሉ ወሲዶምዎ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይጐደሎምን። ዳዊት ንዅሉ ኣምለሶ።
20 ዳዊት ድማ ንዅለን ኣባጊዕን ኣሓን ወሰደ፡ ንኣታተን ከኣ ቀቅድሚ እተን ካልእ ከብቲ ኸብኪቦም፡ እዚአተን ምርኮ ዳዊት እየን፡ በሉ።
21 ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ንዳዊት ምስዓብ ዝሰአኑ እሞ ኣብ ርባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰብኣይ መጸ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኪቕበሉ ወጹ። ዳዊቲ ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ፡ ደሓን ምህላዎም ሐተቶም።
22 ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ ሰባት፡ እቶም ክፉኣት ዘበሉ ናይ ብልያል ሰባት፡ ምሳና ስለ ዘይከዱ፡ ካብዚ ዘምለስናዮ ምርኮስ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቱን ደቁን ጥራይ ይሐዝ እሞ መገዶም ይኺዱ፡ ኢሎም መለሱ።
23 ዳዊት ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እግዚኣብሄር ሐልዩናን ነቲ መጺኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፡ በቲ ንሱ ዝሀበናስ ከምዚ ኣይትግበሩ።
24 በዚ ነገር እዚ ደአ መን ኪሰምዓኩም፧ ከም ግደ እቶም ናብ ውግእ ዝወረዱ፡ ግደ እቶም ኣብ ኣቓሑ ዝጸንሑ ኸኣ፡ ከምኡ እዩ እሞ፡ ማዕረ ገይሮም ይማቐሉ፡ በለ።
25 ኰነ ድማ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዚ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።
26 ዳዊት ናብ ጺቅላግ ምስ መጸ ኸኣ፡ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ፡ ካብ ምርኮ እቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር እንሆልኩም ገጽ በረኸት፡ ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም።
27 ነቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ያቲር ዝነበሩን፡
28 ነቶም ኣብ ዓሮዔር ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ሲፍሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኤሽትሞዓ ዝነበሩን፡
29 ነቶም ኣብ ራካል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ቄናውያን ዝነበሩን፡
30 ነቶም ኣብ ሖርማ ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኮርዓሻን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ዓታኽ ዝነበሩን፡
31 ነቶም ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን እተማላለሱለን ኵለን ቦታታት ዝነበሩን ሰደደሎም።

 

1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኣኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወደቑ።
2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንሳኦልን ንደቁን ስዒቦም እግርእግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን ቀተልዎም።
3 እቲ ውግእ ከኣ ንሳኦል በርትዖ፡ ፍላጻ ዚውርውሩ ሰባት ድማ ኣርከብዎም እሞ፡ በቶም ወርወርቲ እምብዛ ተጨነቐ።
4 ሳኦል ድማ ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት መጺኦም ወጊኦም ከየላገጹለይሲ፡ ሴፍካ መስት እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣበየ። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።
5 እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረአየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ጋሻ ዛግሬኡን ኵሎም ሰቡን ብሓደ ሞቱ።
7 እቶም ኣብ ስግር እቲ ለሰን ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሀደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ከኣ ከም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፡ ነተን ከተማታት ሐዲጎም ሀደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን።
8 ኰነ ኸኣ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።
9 ርእሱ ቘሪጾም ከኣ ኣጽዋሩ ገፈፉ። ኣብ ቤት ጣኦታቶምን ኣብቲ ህዝብን ኬበስሩ ድማ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ።
10 ነቲ ኣጽዋሩ ኸኣ ኣብ ቤት ኣስታሮት ኣንበርዎ፡ ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ሰቐልዎ።
11 እቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ፡ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ ድማ፡
12 ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ተንሲኦም መላእ ለይቲ ግስግስ ሐዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ መጺኦም ከኣ ኣብኡ ኣንደድዎ።
13 ነቲ ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...