ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ኢዮብ (Job)

እዮብ ዚበሃል ብሉጽ ንኣምላኽ ዚእዘዝ ሃብታም ሰብኣይ። ሰይጣን ንእዮብ ዝነበሮ ተወፋይነት ብቐንዱ ኣብ ብልጽግናኡ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንምፍታን ከም ወኪል ኰይኑ እዩ ዚዓዪ። ይኹን እምበር ንብረቱን ደቁን ኣብ መወዳእታ ጥዕናኡን ምስ ሰኣነ ንኣምላኽ ተስፋ ኣይቈረጸን ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሰለስተ ኣዕሩኹ ንኸጸናንዕዎ መጹ ።

መጽሐፈ ኢዮብ (Job)

1 ኣብ ምድሪ ኡጽ እዮብ ዚበሀል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብኣይ ነበረ።
2 ንሱ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተወሊዶምሉ ነበሩ።
3 ጥሪቱ ድማ ሾብዓተ ሽሕ በጊዕ፡ ሰለስተ ሽሕ ገመል፡ ሓሙሽተ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ውላድ ኣድጊ ነበረ፡ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኲሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ ነበረ።
4 እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ።
5 እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ።
6 ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ።
7 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ካባይ መጺእካ? በሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ።
8 እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? በሎ።
9 ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ?
10 ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን? ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ።
11 ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ።
12 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ በሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ።
13 ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለው፡
14 መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡
15 ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
16 እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩ፡ በሎ።
17 እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
18 እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡
19 ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
20-21 ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
22 በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ድማ መጺኡ፡ ኣብ ማእከሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈመ።
2 እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን፡ ካበይ መጺእካ? በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር፡ ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
3 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርሆ፡ ካብ ክፋእ ዚርሕቕ፡ ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንእዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ ኣሎ፡ በሎ።
4 ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዂሉ ይህብ እዩ።
5 ግናኸ፡ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ።
6 እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ በል እስኪ ኣብ ኢድካ ሂበዮ እኔኹ፡ ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕ፡ በሎ።
7 ሽዑ ሰይጣን ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸደ እሞ፡ ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቊስለተ ስጋ ወቕዖ።
8 እዮብ ድማ ምእንቲ ኺሐከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓመዂሽቲ ተቐመጠ።
9 ሽዑ እታ ሰበይቱ፡ ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣሎኻ? ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት፡ በለቶ።
10 ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ? በላ። እዮብ በዚ ዂሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይሐጥኤን።
11 ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ፡ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ፡ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ካብ ዐዓዶም ናብኡ መጹ። ንሳቶም፡ ምስኡ ኽንሐዝንን ከነጸናንዖንሲ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ ተባሃሀሉ።
12 ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፡ ዓው ኢሎም በኸዩ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ሓመድ ከኣ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም ነስነሱ።
13 ድሕሪ እዚ ኸኣ ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ ለይትን ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።

 

1 ድሕርዚ እዮብ ኣፉ ኸፊቱ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ።
2 እዮብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
3 እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልትን እታ ወዲ ተጠኒሱ እተባህለትላ ለይትን ትደምስስ።
4 እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡ ኣምላኽውን ካብ ላዕሊ ኣይቋመታ፡ ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ።
5 ጸልማት ድነ ሞትን ናትና እያ ኢሎም ይሐዝዋ፡ ደበና የጐልብባ፡ እቲ ንመዓልቲ ዜጸልምት ከኣ የሸብራ።
6 ነታ ለይቲ እቲኣ ጸልማት ይመንጥላ፡ ምስተን ናይ ዓመት መዓልትታት ኣይትተሓወስ፡ ኣብ ቊጽሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ።
7 እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፡ እልልታውን ኣይእተዋ።
8 እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ ንሌዋታን ድማ ኬንቀሳቕሱ ዚኽእሉ ይርገምዋ።
9-10 ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ።
11 ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩ፡ ካብኡ ወጺኤስ ብኡብኡ ዘይጠፋእኩ?
12 ስለምንታይከ ኣብራኽ፡ ኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ፡
13-15 ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ።
16 ወይስ ከም እተቐብረ ቚላዕ፡ ከምቲ ብርሃን ዘይረኣየ ሕጻን ኣይምዀንኩን ነይረ።
17 ኣብኡስ እቶም ረሲኣን እኳ ቚጥዓ ሓዲጎም፡ እቶም ዝላሕልሑውን ኣብኡ ዐሪፎም ኣለው።
18 እቶም እሱራትውን ብሓባር ሀዲኦም፡ ድምጺ እቶም ሳቐይቶም ኣይሰምዑን ኣለው።
19 ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፡ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ።
20 ነቲ ምግዱርክ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ? ኤረ ነቶም መሪር ስቓይ ዚሳቐዩስ ንምንታይ ህይወት ሀቦም?
2 እቶም ንሞት ከም ሕብእ መዝገብ እናዀዐቱ ዚደልይዎ እሞ ዝይረኽብዎ፡
22 እቶም ንመቓብር ምስ ረኸቡ፡ እልል እናበሉ ኣዝዮም ዚሕጐሱ፡
23 ነቲ መገዱ ሕቡእ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ብሓጹር ዝኸበቦ ሰብሲ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ?
24 እህህታይ ቅድሚ እንጌራይ ይመጽእ፡ ምንኣኸይ ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ።
25 እቲ ዝፈራህክዎ ነገር መጺኡኒ፡ እቲ ዝስቀቖ ዝነበርኩ ኸኣ ወሪዱኒ።
26 ዕረፍቲ ስኢነ፡ ህድኣትን ዝግታን የብለይን፡ ዓቕለይ ጸቢቡኒ እኔኹ።

 

1 ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ክንዛረበካ እንተ ንፍትንሲ፡ ምጒሄኻዶ? ዘረባኡ ኺገትእ ዚኽእልከ መን ኣሎ?
3 እንሆ፡ ንብዙሓት መዐድካዮም፡ ንዝደኸማ ኣእዳው ከኣ ኣበርታዕካየን።
4 ዘረባኻ ነቶም ሰንከልከል ዚብሉ ኣቕንዖም፡ ንዝደኸማ ኣብራኽውን ኣጽናዕካየን።
5 ሕጂ ናባኻ እንተ በጽሔ ግና፡ ምጽዋሩ ስኢንካ፡ ናባኻ እንተ ወረደ፡ ተሸቢርካ እኔኻ።
6 እቲ ንኣምላኽ ምፍራህካስ እሙንቶኻ፡ እቲ መገድኻ ፍጹም ምዃኑ ኸኣ ተስፋኻዶ ኣይኰነን?
7 እስኪ ተመልከት፡ ንጹህ ከም ዝጠፍኤ፡ ቅኑዕውን ከም እተደምሰሰዶ ርኢኻ ትፈልጥ?
8 ኣነስ ከምዚ ደኣ ርኤኹ፡ እቶም ሓጢኣት ዚሐርሱ፡ መከራ ኸኣ ዚዘርኡ፡ ንእኡ ይዐጽድዎ።
9 ንሳቶም ብእስትንፋስ ኣምላኽ ይጠፍኡ፡ ብመንፈስ ቊጥዓኡ ይበኑ።
10 ምጒዛም ኣንበሳ፡ ድምጺ እቲ ጓዛሚ፡ ኣስናን ሽደን ኣንበሳውን ይስበር።
11 እቲ ኣረጊት ኣንበሳ ዚነጥቕ ስኢኑ እዩ እሞ ይመውት፡ ኰራኲር ኣንበሳ ኸኣ ፋሕ ይብሉ።
12 ንኣይ ግና ቓል ብሕቡእ መጸኒ፡ እዝነይ ከኣ ንሕሽዂሽዂ ተቐበሎ፡
13 በቲ ናይ ለይቲ ራእይ ሓሳባት ንሰባት ብርቱዕ ድቃስ ምስ ወደቖም፡
14 ፍርሃትን ረዓድን ሐዘኒ እሞ፡ ንብዘሎ ኣዕጽምተይ ኣናወጾ።
15 ሓደ መንፈስ ብቕድመይ ሐለፈ፡ ጸጒሪ ስጋይ ተኸየፈ።
16 ንሱ ቘመ፡ መልክዑ ግና ኣየለሌኽዎን፡ ረቂቕ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፡ ስቕታ ነበረአ፡ ድምጺ ኸኣ ሰማዕኩ፡
17 መዋቲ ሰብዶ ኻብ ኣምላኽ ይጸድቕ እዩ፡ ሰብዶ ኻብ ፈጣሪኡ ይነጽህ እዩ?
18 እንሆ፡ ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን ንመላእኽቱውን ጒድለት ይረኽበሎም።
19 እምበኣርሲ እቶም መሬት ዝቤቶም፡ ሓመድ ዝመሰረቶም፡ ከም ሓሰኻ ኺጭፍለቑ እዮም።
20 ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይቚረጹ፡ ንሓዋሩ ይጠፍኡ፡ ዚሐስቦውን የልቦን።
21 እቲ ገመድ ድንኳኖም ይብተኽ፡ ብዘይ ጥበብ ይሞቱ።

 

1 ምላሽ ዚህበካ እንተ ረኺብካስ፡ እስኪ ጸውዕ፡ ካብ ቅዱሳንከ ናብ መኖም ክትብል ኢኻ?
2 ንደንቈሮ ሰብ ኲራ ይቐትሎ፡ ንዓሻ ኸኣ ቅንኣት የጥፍኦ።
3 ኣነ ንደንቈሮስ ሱር ሰዲዱ ርኤኽዎ፡ ብኣብኣ ኸኣ ንቤቱ ረገምክዋ።
4 ደቁ ኻብ ረዲኤት ርሒቖም እዮም እሞ ኣብ ደገ ይርገጹ፡ ዜናግፎም ከኣ የልቦን።
5 ነቲ እቶቱ ዝጠመየ ይበልዖ፡ ካብ እሾዂ እኳ የውጽኦ፡ ንጥሪቱ መድፈና ሃህ ኢሉ ይጽበዮ።
6 መከራ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን እዩ እሞ፡ መግደራ ኻብ መሬት ኣይበቊልን።
7 ግናኸ፡ ከምቲ ቚልዒ ንላዕሊ ኣቢሉ ዝነጥር፡ ሰብ ንመከራ እዩ ዚውለድ።
8 ኣነ ግን ኣምላኸ ምደሌኹ፡ ነገረይ ከኣ ንኣምላኽ ምወፌኹ፡
9 ነቲ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡ ኪቚጸር ዘይክእል ተኣምራትውን ዚገብር ዘሎ፡
10 ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜዝንም ንግራሁውን ማያት ዚሰድድ፡
11 ንሕሱራት ልዕል ዜብሎም፡ ንሕዙናት ድማ ብምድሓን ዜልዕሎም፡
12 ኣእዳዎምሲ ብተንኰል ገለ ኸየስልጣ፡ ንተንኰል ጐራሓት ከንቱ ዚገብሮ ንሱ እዩ።
13 ንጠቢባን ብጒርሖም ይሕዞም፡ ንምኽሪ ጠዋያት ከኣ ይዝርዝሮ።
14 ብመዓልቲ ንኣታቶም ጸልማት ይጓነፎም፡ ብቐትርስ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ።
15 ንሱ ነቲ መስኪን ካብ ሴፍ ኣፎምን ካብ ኢድ ሓያልን የናግፎ።
16 ስለዚ ነቲ መስኪን ተስፋ ኣለዎ፡ ዓመጻ ኸኣ ኣፋ ትዐጹ።
17 እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚግስጾ ሰብሲ ብጹእ እዩ፡ ስለዚ ንመቕጻዕቲ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይትንዐቆ።
18 ንሱ የቚስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ።
19 ካብ ሹድሽተ ጸበባ ኼናግፈካ፡ ኤረ ኣብ ሾብዓተ ደኣ ኽፋእ ኣይኪትንክየካን እዩ።
20 ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፡ ብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ኪብጀወካ እዩ።
21 ካብ ጭጒራፍ ልሳን ክትክወል፡ ድባበ ኺወጽእ ከሎ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ።
22 ነቲ ድባበን ጥሜትን ክትስሕቆ፡ ንኣራዊት ምድሪውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ።
23 ምስ ኣእማን መሮር ኪዳን ኣቲኻ ኢኻ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ብሰላም ምሳኻ ኪዀኑ እዮም።
24 ድንኳንካ ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ ንኸብትኻ እንተ ተቛመትካዮ፡ ዚስአን የልቦን።
25 ዘርእኻ ብዙሕ ምዃኑ፡ ተወልዶኻ ኸም ሳዕሪ ምድሪ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ።
26 ኲልስስቲ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዚኣቱ፡ ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ።
27 እንሆ፡ ንሕና ዝመርመርናዮ ኸምኡ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሰሚዕካስ ተጠቐመሉ።

 

1 ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ወዮ፡ ትካዘይ እንተ ዚምዘን፡ መከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዚኣቱ፡
3 ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡ ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን ኣሎኹ።
4 ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ወጊኡኒ ኣሎ እሞ፡ መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ ኣሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ ኣሎ።
5 ኣድጊ በረኻዶ፡ ሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሀልል እዩ? ብዕራይከ፡ ሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ?
6 ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፡ ማይ እንቋቚሖስ እንታይ ጣዕሚ ኣለዎ?
7 ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡ እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዚብል ብልዒ ዀነኒ።
8 አየ፡ ጸሎተይ እንተ ዚስማዕ፡ ኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዚምልኣለይ።
9 ኣምላኽ ኪደቚሰኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ንህይወተይ ኪቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዚኸውንሲ፡
10 ሽዑ ምተጸናናዕኩ፡ ንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሐድክዎን እሞ፡ በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ።
11 ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይ? ዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ?
12 ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ? ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ?
13 ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን? መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን?
14 እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ።
15-16 ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ።
17 ብጊዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍ፡ ሃሩር እንተ በርትዔ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ።
18 ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ።
19 ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡ ናብ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ።
20 ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሐፈሩ፡ ናብኡ ምስ በጽሑ፡ ሕፍረት ሐዞም።
21 ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዜብልኩም ኢኹም፡ ዜፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ ኣሎኹም።
22 ኣነስ፡ ሀቡኒ፡ ወይስ ጥሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሀቡለይዶ ኢለኩም እየ?
23 ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ?
24 ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ።
25 ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም፡
26 ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ ኣሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዝዛረብ።
27 ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉ፡ ንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም።
28 እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ።
29 ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡ ኤረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ።
30 ኣብ ልሳነይዶ ዓመጻ ይርከብ እዩ? ትንሓገይከ ነቲ ኽፋእዶ ኣይለልዮን እዩ?

 

1 ንሰብሲ ኣብ ምድሪ ሰልፊዶ ኣይኰነን? መዓልትታቱዶ ኸም መዓልትታት ብዓል ውዐልት ኣይኰናን?
2 ከምቲ ጽላል ዚናፍቕ ባርያ፡ ከምቲ ውዕለቱ ዚጽበ ብዓል ውዕለት፡
3 ኣነ ኸኣ ከምኡ ኣዋርሕ ከንቱነት ተዐዲለ፡ ለይትታት ጻዕሪ ተቘጺረናለይ።
4 ምስ ተገምሰስኩ፡ መኣዝ ኰን ክትንስእ እየ? እብል። ለይቲ ነዊሕ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ምግልባጠይ እጸግብ ኣሎኹ።
5 ስጋይ ብሓሰኻን ብቕላጥ መሬትን ተሸፊኑ፡ ቈርበተይውን እናተዀምተረ ይቕደድ።
6 መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ይቕልጥፋ፡ ብዘይ ተስፋ ይበና ኣለዋ።
7 ህይወተይ ሃፋ ምዃና ዘክር፡ ኣዒንተይውን መሊሰን ጽቡቕ ነገር ኣይኪርእያን እየን።
8 እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፡ ኣዒንትኻ ኺደልያኒ እየን፡ ኣነ ግና የሎኹን።
9 ደበና ሐሊፉ ኸም ዚብተን፡ ከምኡውን እቲ ናብ ሲኦል ዚወርድ መሊሱ ኣይወጽእን።
10 ናብ ቤቱ ከቶ ኣይምለስን፡ ቦታኡ ደጊም ኣየለልዮን።
11 ስለዚ ኣነ ንኣፈይ ኣይክለጒሞን፡ ብጸበባ መንፈሰይ ክዛረብ፡ ብምረት ነፍሰይ ክቚዝም እየ።
12 ሓላዊ ዝገበርካለይከ? ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓሳ ኣንባሪ እየ?
13 መንጸፈይ ኬጸናንዓኒ፡ ምድቃሰይ ሓዘነይ ኬቕልለለይ እዩ፡ እንተ በልኩ፡
14 ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሃኒ፡ ብራእይውን ተባህርረኒ፡
15 ነፍሰይሲ ኽትሕነቕ፡ ካብ እዘን ኣዕጽምተይ ከኣ ሞት ትሐሪ።
16 ኣነስ መንየዮ እየ፡ ብህይወት ክነብር ኣይደልን፡ መዓልትታተይ ምናምን እየን እሞ፡ ሕደገኒ።
17-18 ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡ በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ?
18ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ምጥማትካ ኻባይ ዘይተግልሶ? ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥከ ዘይትሐድገኒ?
19 ኣንታ ተቛማታይ ደቂ ሰብ፡ በዲለ እንተ ዀንኩስ፡ ንኣኻ እሞ እንታይ ገይረካ? ስለምንታይ ኢኻ ንነፍሰይ፡ ከቢድ ጾር ዝዀና ዕላማኻ ዝገበርካኒ?
20 ስለምንታይከ ኢኻ ኣበሳይ ይቕረ ዘይትብለለይ፡ በደለይ ከኣ ዘይትሐድገለይ? ኣነስ ሕጂ ኣብ መሬት ክግምሰስ እየ እሞ፡ እንተ ደሌኻኒ ኣይክህሉን እየ።

 

1 ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ክሳዕ መኣዝ ከምዚ ኢልካ ኽትዛረብ፡ ነቲ ዘረባ ኣፍካስ ከም ብርቱዕ ንፋስ ክትገብሮ ኢኻ?
3 ኣምላኽዶ ፍትሒ ይጠዊ እዩ? እቲ ዂሉ ዚኽእልከ ንጽድቂዶ ይጠውዮ እዩ?
4 ደቅኻ በዲሎምዎ እንተ ዀይኖም፡ ንሱውን ናብ ኢድ ኣበሳኦም ኣሕሊፉ እንተ ሂብዎም፡
5 ንስኻ ንኣምላኽ ተጠንቂቕካ እንተ ደሊኻዮ፡ ነቲ ዂሉ ዚኽእልውን ምሕረት እንተ ለሚንካዮ፡
6 ንጹህን ጻድቕን እንተ ዄንካ፡ ብርግጽ ንሱ ንረዲኤትካ ኺትንስእ፡ ነታ ማሕደር ጽድቅኻውን ኬልምዓ እዩ።
7 መጀመርታኻ ንእሽቶ እንተ ዀነ፡ መወዳእታኻ ግና እምብዛ ኺበልጽ እዩ።
8 ነቶም ቀደም ዝሐለፉ ወለዶ ዀታ ጠይቆም እሞ፡ ነቲ ኣቦታቶም እተረድእዎ ኸኣ ኣሰተብህሎ።
9 ንሕና ገለ ዝይንፈልጥ ናይ ትማሊ ኢና እሞ፡ ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ኸም ጽላሎት እየን።
10 ግናኸ ንሳቶም ኣይኪምህሩኻን ኣይኪነግሩኻንዶ እዮም? ካብ ውሽጢ ልቦም ቃላትዶ ኣይኬውጽኡን እዮም?
11 ተኺላ ኣብ ዜብሉ ቦታዶ ሰልሰላ ይነውሕ? ማይ ኣብ ዜብሉስ ሰቲዶ ይበቊል እዩ?
12 ንሱ ብለምለሙ ኸሎን ከይተመንቈሰን፡ ቅድሚ ዂሉ ሳዕሪ ይነቅጽ።
13 መገዲ እቶም ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዂሎም ከኣ ከምኡ እዩ፡ ተስፋ እቲ ረሲእ ከንቱ ኪኸውን እዩ።
14 ተስፋኡ ኪቚረጽ እዩ እሞ፡ እሙንቶኡ ኸም ዓለባ ሳሬት እዩ።
15 ንሱ ኣብ ቤቱ ይጽጋዕ፡ ግናኸ ኣይትጸንዕን፡ ቀጥ ኣቢሉ ይሕዛ፡ ግናኸ ኣይትቐውምን።
16 ንሱ ብጸሓይ ይልምልም፡ ጨናፍሩ ናብ ልዕሊ ኣታኽልቱ ይወጽእ።
17 ኣብ ዙርያ እኩብ እምኒ ሱሩ ይሰደድ፡ ንቤት ኣእማን ይምልከቶ ኣሎ።
18 ካብታ ቦታኡ እንተ መንቈሶ፡ ንሳውን፡ ኣነስ ከቶ ኣይርኤኹኻን፡ ኢላ ትኽሕዶ።
19 እንሆ፡ ታሕጓስ መገዱ ኸምዚ እዩ። ካብታ ሓመድ ድማ ካልኦት ኪበቚሉ እዮም።
20 እንሆ፡ ኣምላኽ ነቲ ፍጹም ሰብ ኣይድርብዮን፡ ነቶም ገበርቲ እከይ ከኣ ብኢዱ ኣይሕዞምን እዩ።
21 ንኣፍካ ስሓቕ፡ ንኸናፍርካውን እልልታ ኺመልኦ እዩ።
22 እቶም ዚጸልኡኻ ነውሪ ኺጒልበቡ እዮም፡ ድንኳን እቶም ረሲኣን ከኣ ኪጠፍእ እዩ።

 

1 ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ኤረ ኸምኡ ምዃኑስ ኣርጊጸ እፈልጥ እየ፡ ከመይ ኢሉ ደኣኸ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጸደቐ?
3 ምስኡ ኺማጐት እንተ ዚደሊ፡ ካብ ሽሕስ ሓንቲ እኳ ኺመልሰሉ ኣይምኸኣለን ነይሩ።
4 ንሱ ብምስትውዓል ጠቢብ፡ ብሓይሊውን ብርቱዕ እዩ፡ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?
5 ንሱ ነኽራን ከይፈለጢ ኸለው የግዕዞም፡ ንቚጥዓኡውን ይገማጥሎም።
6 ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፡ ኣዕኑዳውን የንቀጥቅጡ፡
7 ንሱ ንጸሓይ ይእዝዛ እሞ ኣይትበርቕን። ንኸዋኽብቲውን ይሐትሞም።
8 ንሱ ንሰማያት ይዝርግሖ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ይኸይድ።
9 ንድቢ፡ ንኦርዮን፡ ንኰዀብ ሾብዓተ፡ ንናይ ደቡብ ማሕደር ዝፈጠሮም ንሱ እዩ።
10 ንሱ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገር፡ ቊጽሪ ዜብሉ ተኣምራትውን ይገብር።
11 እንሆ፡ ኣብ ጥቓይ ይሐልፍ እሞ፡ ኣነ ኣይርእዮን፡ መሊሱውን ይሐልፍ እሞ፡ ኣይፍለጠንን እዩ።
12 እንሆ፡ ንሱ እንተ መንጠለ፡ መን ይኽልክሎ፡ መንከ፡ እንታይ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ፡ ክብሎ ይኽእል።፧
13 ኣምላኽ ንቚጥዓኡ ኣይገትኦን፡ ኣብ ትሕቲኡስ እቶም ረዳእቲ ረሃብ እኳ ይትሐቱ፡
14 ኣነ ደኣ ግዳ ኸመይ ገይረ ኽመልሰሉ? ንእኡ ዝዛረቦ ቓልከ ኸመይ ገይረ ኽመርጽ?
15 ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ንፈራድየይ ደኣ ምሕረት ምለመንክዎ እምበር፡ ኣይምመለስኩሉን።
16-17 ንሱ ብህቦብላ ወቒዑኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቚስለይ የብዝሖ ኣሎ እሞ፡ ጸዊዔዮስ እንተ ዚመልሰለይ እኳ፡ ንድምጸይ ጽን ከም ዝበሎ፡ ኣይምኣመንኩን።
18 ንሱ ኸስተንፍስ ኣይሐድገንን፡ ምረት ደኣ የጽግበኒ ኣሎ።
19 ብሓይሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ፡ እኔኹ፡ ይብል፡ ብፍርዲ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ መን እዩ ቘጸራ ዚህበኒ?
20 ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ኣፈይ፡ በደለኛ ኢኻ፡ ኢሉ ምፈረደኒ፡ ፍጹም እንተ ዝኸውን ከኣ፡ ሕሱም ምገበረኒ ነይሩ።
21 ኣነስ ፍጹም እየ፡ ንነፍሰይ እኳ ግዳ የብለይን፡ ንህይወተይውን እንዕቃ እየ።
22 ኲላዂሉ ሓደ እዩ፡ ስለዚ፡ ነቲ ፍጹምን ንረሲእን ብሓደ የጥፍኦም፡ እብል ኣሎኹ።
23 ብድንገት ዚቐትል መዓት እንተ ወረደ፡ ንሱ ብፈተና እቶም ንጹሃት የላግጽ።
24 ምድሪ ኣብ ኢድ እቶም ረሲኣን ተውሂባ እያ፡ ንገጽ መኳንንታ ይሽፍኖ። ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ?
25 መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይቕልጥፋ፡ ጽቡቕ ነገር ከይረኣያ ይሀድማ ኣለዋ።
26 ኤረ ኸም ጃልባ ሻምብቆ፡ ኪምንጥል ከም ዚሸብብ ንስሪ ይሐልፋ።
27 ኣነ፡ ሓዘነይ ረሲዔ፡ ገጸይ ኣብሪሄስ፡ ክሕጐስ ደኣ፡ እንተ በልኩ፡
28 ብስቓየይ እስክሕ፡ ከም ዘይተማጻርየኒ ፈሊጠ ኣሎኹ።
29 ኣነስ ከም በደለኛ ክዅነን እየ፡ ስለምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝጽዕር?
30 ብማይ በረድ እንተ ዝሕጸብ፡ ኣእዳወይውን ኣጸቢቐ እንተ ዘጽሪ፡
31 ንስኻ ኣብ ዓዘቕቲ ምኣለኽካኒ ክዳውንተይ እኳ ምፈንፈናኒ።
32 ከይመልሰሉ፡ ሐቢርናውን ከይንበያየንሲ፡ ከማይ ሰብ ኣይኰነን፡
33 ኣብ ክልቴና ኢዱ ዚዝርግሕ እሞ፡ ኣብ መንጎና ዳኛ ዚኸውን የልቦን።
34 በትሩ ግዳ ኻባይ የግልሰለይ፡ ፍርሃቱውን ኣየናውጻኑ፡
35 ሽዑ ምተዛረብኩ ኣይምፈራህክዎን ከኣ፡ ኣነ ግና ከምኡ ኣይኰንኩን።

 

1 ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታ፡ ንጥርዓነይ ስቕ ኣየብሎን፡ ብምረት ነፍሰይ ደኣ ኽዛረብ እየ።
2 ንኣምላኽ፡ ኣይትዀንነኒ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጻረረኒ ዘሎኻ? ኣፍልጠኒ፡ እብሎ ኣሎኹ፡
3 ንተግባር ኢድካ ኽትጭቊኖን ክትንዕቆን ነቲ ምኽሪ ረሲኣን ከኣ ከተብርሆንዶ ባህ የብለካ እዩ?
4-7 ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን?
8 ኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰና፡ ሰርሓኒውን፡ ግናኸ ተጥፍኣኒ ኣሎኻ።
9 ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ ኣሎኻ።
10 ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡ ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ?
11 ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ።
12 ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒ፡ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሐለዎ።
13 ግናኸ ነዚ ኣብ ልብኻ ሓባእካዮ፡ ሓሳብካስ እዚ ኸም ዝነበረ እፈልጥ ኣሎኹ።
14 እንተ ዝብድልሲ ምተቛመትካኒ፡ ካብ ኣበሳይውን ኣይምፈታሕካንን።
15 ረሲእ እንተ ዀንኩ፡ ወይለይ፡ ጻድቕ እንተ ዀንኩ ድማ፡ ሓሳር እጸግብ መከራይውን እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ ርእሰይ ከልዕል ኣይከኣለንን እዩ።
16 ልዕል እንተ ዘብሎ ድማ፡ ከም ኣንበሳ ምሀደንካኒ፡ መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ግሩም ስልጣንካ መርኤኻ።
17 ሐሓደስቲ ምስክር መቘምካለይ፡ ንቚጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ብዕጽፊ መውረድካዮ፡ እተለዋወጠ ዚጻረረኒ ጭፍራ ምሰደድካለይ።
18 ንምንታይ ደኣ እሞ ካብ ማሕጸን ኣውጻእካኒ? ኣየ፡ ዓይኒ ኸይረኣየትኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን።
19 ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ፡ ካብ ማሕጸን ናብ መቓብር መውረዱኒ ነይሮም።
20-22 መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን? ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡ ቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ።

 

1 ድሕሪዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ነዚ ብዝሒ ዘረባዶ ምላሽ ኣይኪወሀቦን እዩ? ወይስ ለፍላፊ ሰብዶ ኺጸድቕ እዩ?
3 እዚ ምሕባንካዶ ንሰብ ስቕ ኬብሎ እዩ? ኣላጊጽካስ ዜሕፍረካ ሰብዶ የልቦን?
4 ንስኻውን፡ ትምህርተይ ቅኑዕ እዩ፡ ኣብ ዓይንኻውን ንጹህ እየ፡ ትብል ኣሎኻ።
5 ኣየ፡ ኣምላኽያ እንተ ዚዛረብ፡ ከናፍሩ ኸፊቱ እንተ ዚመልሰልካ፡
6 ናይ ጥበብ ምስጢራት ካብቲ ዘሎ ዕጽፊ ምዃኑ እንተ ዚገልጸልካ፡ ንገሊኡ ኣበሳኻ ኸም ዚርስዖ፡ መስተብሀልካ ኔርካ።
7 ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮ፡ ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ?
8 ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ? ካብ ሲኦል ይዐምቚ፡ እንታይ ክትፈልጥ ኢኻ?
9 ስፍሩ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፡ ካብ ባሕሪውን ይሰፍሕ እዩ።
10-11 ንሱስ ንኸንቱነት ሰብ ይፈልጦ፡ ንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ እዩ እሞ፡ ንሱ እንተ ሐለፈ፡ እንተ ዐጸወ፡ ኣብ ፍርዲ እንተ ኣከበ፡ መን እዩ ዚኽልክሎ?
12 ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል የብሉን፡ እወ፡ ሰብ ከም ዒሉ ኣድጊ በረኻ እተወልደ እዩ።
13 ልብኻ እንተ ኣዳሎኻ፡ ኣእዳውካውን ናብኡ እንተ ዘርጋሕካ፡
14 ኣብ ኢድካ ዓመጻ እንተሎ፡ ኣርሕቆ፡ ኣብ ድንኳንካውን ግፍዒ ኣይተስፍር።
15 ሽዑ ንገጽካ ብዘይ ሕፍቲ ኸተልዕሎ፡ ጽኑዕ ክትከውን ኣይክትፈርህን ድማ ኢኻ።
16 ሽዑስ ንመከራኻ ኽትርስዖ፡ ከም ዝሐለፈ ውሒዝ ክትዝክሮ ኢኻ።
17 ህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊጻ ትበርህ፡ ጸልማት እኳ ኸም ወገግታ ብጊሓት ኪኸውን እዩ።
18 ተስፋ ኣሎ እሞ፡ ክትሀድእ፡ ናብ ዙርያኻ ኣማዕዲኻ ብህድኣት ክትግምሰስ ኢኻ።
19 ዜፍርህ ዜብልካ በጥ ክትብል፡ ብዙሓትውን ሞገስካ ኺደልዩ እዮም።
20 ኣዒንቲ ረሲኣን ግና ይስልምታ፡ መህደሚ የብሎምን፡ ተስፋኦም ከኣ ብምሕላፍ እስትንፋሶም እዩ።

1 ድሕርዚ እዮብ መሊሱ በለ፡
2 ብሓቂ እቶም ኣውራታት ሰባት ንስኻትኩም ኢኹም፡ ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ።
3 ግናኸ ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣሎኒ፡ ካባኻትኩም ኣይሰንፍን፡ ነዚ ኸምዚ ዘይፈልጥ መን እዩ?
4 ኣነ ንጐረቤተይ መላገጺ ዝዀንኩ ሰብ እየ፡ ኣነ ናብ ኣምላኽ ተማህሊለስ ምላሽ ዝረኸብኩ፡ ጻድቕን ፍጹምን ሰብሲ መላገጺ ዀይኑ።
5 ኣብ ሓሳብ እቲ ደሓን ዘሎ ሰብ ንመከራ ምንዓቕ ኣሎ። እዚ ነቶም እግሮም ሰንከልከል ዚብል ድልዊ እዩ።
6 ድንኳን እቶም በዝበዝቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፡ እቶም ንኣምላኽ ዚተሃላለኽዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኢዶም ኣዕዚዙ ዚህቦም ብህድኣት ኣለው።
7 ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን።
8 ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም።
9 በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ?
10 ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡
11 ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ?
12 ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።
13 ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ ኣሎ፡ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን።
14 እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዐጽዎ፡ ዚኸፍቶ ድማ የልቦን፡
15 እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍ፡ ከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ።
16 ሃይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡ እቲ ዚስሕትን ዜስሕትን ናቱ እዮም።
17 ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶም፡ ንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም።
18 ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡ ኣብ ሓቛቚኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም።
19 ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፡ ንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም።
20 ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶ፡ ንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም።
21 ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎም፡ ንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም።
22 ነቲ መዓሙቚ ካብ ጸልማት ይቐልዖ፡ ንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ።
23 ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን።
24 ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡ መገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም።
25 ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም።

1 እንሆ፡ ነዚ ዂሉስ ዓይነይ ርእያቶ እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተብሂላቶ።
2 ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎስ ኣነውን እፈልጦ፡ ካባኻትኩም ከኣ ኣይትሕትን እየ።
3 ግናኸ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክዛረቦ እደሊ፡ ምስ ኣምላኽ ክማጻረ ሃረር እብል ኣሎኹ።
4 ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።
5 ኤረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ።
6 ንተግሳጸይ ስምዑ፡ ናብቲ ምስክር ከናፍረይ ጽን በሉ፡
7 ንኣምላኽስ ብቓል ዓመጻ ኽትካላኸሉሉ፡ ስሊኡ ኢልኩምከ ልግሚዶ ኽትዛረቡ ኢኹም?
8 ወራኡ ኽትኰኑ፡ ንኣምላኽ ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣሎኹም?
9 ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ? ወይስ ከምቲ ንሰብ እተዐሽውዎ፡ ከተዐሽውዎዶ ኢኹም?
10 ብስውር እንተ ኣድሎኹምሲ፡ ንሱ ብርግጽ ኪዘልፈኩም እዩ።
11 ግርማኡዶ ኣይኬሸብረኩምን እዩ? ፍርሃቱስ ኣይኪወድቀኩምን እዩ?
12 ባህልኹም ምሳሌታት ሓመዂስቲ፡ ዕርድታትኩውን ዕርድታት ጭቃ እዩ።
13 ስቕ በሉ፡ ክዛረብ ግዳ ሕደጉኒ፡ ዝዀነ ይኹን ይውረደኒ።
14 ንምንታይ ንስጋይ በስናነይ እሕዞ? ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ ኤንብራ?
15 ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፡ ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን።
16 ግብዝ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣይኪብልን እዩ እሞ፡ እዚኣ ንምድሓን ክትጠቕመኒ እያ።
17 ስምዑ፡ እስኪ ንቓላተይ ስምዑ፡ እቲ ኣነ ዝብሎ ንእዝንኹም ይሰቈሮ።
18 እንሆ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣሎኹ፡ ጻድቕ ኰይነ ኸም ዝርከብ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
19 መን እዩ ዚረትዓኒ? ሽዑ ስቕ እብል እመውትውን።
20 ብኽልተ ነገር ግዳ ኣይትግፈዓኒ እምበር፡ ኣነ ኸኣ ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይክስወርን እየ፡
21 ኢድካ ኻባይ ኣርሕቐለይ፡ ግርማኻውን ኣየሸብረኒ።
22 ሽዑ ንስኻ ጸውዓኒ፡ ኣነውን ክመልስ፡ ወይ ከኣ ኣነ ኽዛረብ፡ ንስኻ ምለሰለይ።
23 ኣበሳይን ሓጢኣተይንሲ ኽንደይ እዩ ምብዛሑ? እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።
24 ንምንታይከ ገጽካ እትኽውሎ? ከም ጸላኢኻ እትርእየኒ?
25 ንዝረገፈ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ኢኻ? ንንቑጽ ሓሰርሲ ኸተሳጒጎ ኢኻ?
26 መሪር ነገር ትጽሕፈለይ፡ ኣበሳ ንእስነተይ ከኣ ተውርሰኒ ኣሎኻ።
27 ንስኻ ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ተእትወን፡ ንብዘሎ መገደይውን ትሕሉ፡ ንኸብዲ እግረይ ከኣ መፈለጥታ ትገብረሉ ኣሎኻ።
28 ኣነስ ከም ዝበዂበዀ ኦም፡ ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ዓለባ ዀይነ።

 

1 ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ።
2 ከም ዕንበባ ይዕንብብ፡ ይጽምሉ ኸኣ፡ ከም ጽላሎት ይሀድም፡ ኣይነብርን ድማ።
3 ኣብ ከምዚ ዝበለዶ ኣዒንትኻ ቛሕ ተብል ኣሎኻ? ክፍረድስ ናብ ቅድሜኻዶ ትጐተኒ ኣሎኻ?
4 ካብቲ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ የልቦን።
5 ዕድመ ሰብ ምዱብ፡ ኣዋርሑ ኣባኻ ቚሩጽ ካብ ኰነ፡ ዘይሓልፋ ደረትውን ካብ ወሰንካሉስ፡
6 ንሱ ኸም ብዓል ውዕለት፡ መዓልቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ኪዐርፍሲ፡ ገጽካ ኻብኡ ምለስ።
7 ኦምሲ ተስፋ ኣለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፡ ውልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን እዩ።
8 ስሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፡ ጒንዱ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፡
9 ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፡ ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር።
10 ሰብ ግና ይመውት እሞ ወዲቑ ይተርፍ፡ ሰብ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሐሊፋስ፡ ኣበይከ ኣሎ?
11 ካብ ባሕርስ ማያት ከም ዚፈስስ፡ ርባውን ከም ዚነጽፍን ዚደርቕን፡
12 ሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእን፡ ሰማያት ክሳዕ ዚሐልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን።
13 ኣየ፡ ቊጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ፡ እንተ ትስውረኒ፡ ኣብ ሲኦል እንተ ትሓብኣኒ፡ መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ፡ ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ።
14 ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ? ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ዘመን ሰልፈይ ኲሉ ምተጸቤኹ።
15 ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።
16 ሕጂ ግና ንስጒምተይ ትቘጽረን፡ ንሓጢኣተይሲ ትቋመቶዶ ኣየሎኻን?
17 ንኣበሳይ ኣብ ከረጺት ይሓትሞ፡ ንበደለይውን ተጣብቖ ኣሎኻ።
18 ግናኸ፡ ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዚጠፍእ፡ ከውሒውን ካብ ቦታኡ ዚግዕዝ፡
19 ከምቲ ማያት ነእማን ዜሕቅቖ፡ ውሒዙውን ንመሬት ምድሪ ዚድምስሶ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ።
20 ንስኻ ንሓዋሩ ትሕይሎ፡ ንሱውን ይሓልፍ፡ ንገጹ ለዊጥካ ይኺድ ትገድፎ።
21 ደቁ እንተ ኸበሩ፡ ኣይፈልጦን፡ እንተ ሓሰሩውን፡ ኣየስተብህሎን እዩ።
22 ስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ ስቓይ እዩ ዚስምዖ፡ ነፍሱ ኸኣ ብዛዕባ ርእሱ እያ እትጒሂ።

 

1 ድሕርዚ ኸኣ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝዀነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ? ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ?
3 ብፍረ ዜብሉ፡ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፡ ንነገሩ ይከላኸለሉ እዩ?
4 ንስኻ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከንቱ ትገብሮ፡ ንጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቃልሎ ኣሎኻ፡
5 ኣበሳኻ ንኣፍካ ይምህሮ፡ ንዘረባ ጐረሓት ትሓሪ ኣሎኻ።
6 ኣፍካ እያ እትዂንነካ፡ ኣይኣነን፡ ገዛእ ከናፍርካውን እየን ንጒድኣትካ ዚምስክራ።
7 እቲ ቐዳማይ ሰብ እተወልደዶ ንስኻ ኢኻ? ቅድሚ ዂርባታትከ ተጠኒስካ ዲኻ?
8 ነቲ ስውር ምኽሪ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኔርካ? ጥበብከ ንርእስኻዶ ሒዝካያ ኣሎኻ?
9 ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ? ንሕና ዘይተረዳእናዮስ እንታይ ተስተብህል?
10 ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዚዐብዩ ሸያባትን ሽማግሌታትን ኣብ ማእከልና ኣለው።
11 ነቲ ምጽንናዕ ኣምላኽን ነቲ ብለውሃት ንኣኻ እተዘርበ ቓላትንዶ ተናእሶ ኣሎኻ?
12 ልብኻ ናበይ ኣቢሉ ይስሕበካ ኣሎ? ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፋእ ኣጠማምታ ይጥምታ?
13 ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናቐዳሕካ፡ ስለምንታይ መንፈስካ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ተልዕሎ?
14 ሰብከ እንታይ እዩ ንጹህ ዚኸውን፡ ውሉድ ሰበይትስ ጻድቕ ዚኸውን መን እዩ?
15 እንሆ፡ ነቶም ቅዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምን፡ ሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን።
16 እቲ ንኣበሳ ኸም ማይ ዚሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍንፋንን ብልሽውን እዩ።
17-19 እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡ ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሓብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ።
20 ረሲእ ምሉእ ዕድሜኡ፡ ጨካንውን ብዂሉ ቚጽሪ ዘመኑ ይጭነቕ።
21 ዜፍርህ ደሃይ ኣብ ኣእዛኑ ዀይኑ የድሂ፡ ደሓን ኣሎኹ ኺብል ከሎ መጥፍኢ ይመጾ።
22 ሰይፊ ይጸናተዎ ኣሎ እሞ፡ ካብ ጸልማት ኬምልጥ ተስፋ የብሉን።
23 ኣበይከ እሞ ይርከብ? ኢሉ ሃለው እናበለ እንጌራ ይደሊ፡ መዓልቲ ጸልማት ኣብ ጥቓ ኢዱ ኸም ዘሎ ይፈልጥ።
24 ጸበባን ጭንቀትን የሸብርዎ፡ ከም ስሉፍ ንጉስ ኰይኖም ይወድቅዎ።
25 ኪጻረሮ ኢሉ ኣእዳው ናብ ኣምላኽ ይዝርግሕ፡ ነቲ ዂሉ ዚኽእልውን ይተሃላለኾ፡
26 ብተሪር ክሳዱ፡ ብረጒድ ዋልታኡ ይገጥመሉ።
27 ገጹ ኣስብሔ፡ ሕቜኡ ኣህጠረ።
28 ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፡ ኣብ ሰብ ዘይነብረለን፡ ንምዕናው እተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩ እሞ፡
29 ንሱ ኣይጽጉን፡ ሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፡ ገንዘቡውን ሱሩ ናብ ምድሪ ኣይሰዶን እዩ።
30 ካብ ጸልማት ኣየምልጥን፡ ጨናፍሩ ብሃልሃልታ ይሓርር፡ ብስትንፋስ ኣፉ ይሓልፍ።
31 ዓስቡ ኸንቱነት እዩ ዚኸውን እሞ፡ ስሒቱ ብኸንቱነት ኣይተኣመን።
32 መዓልቱ ኸይበጽሔ ጊዜኡ ይፍጸም፡ ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን።
33 ከም ተኽሊ ወይኑ ፍሬኡ ብጒዕ የውድቕ፡ ከም ኦም ዘይቲ ዕንባባኡ ይረግፍ።
34 እታ ማሕበር ረሲኣን መኻን እያ እሞ፡ ድንኳናት እቶም መማለጃ ዚቕበሉ ሓዊ ይበልዔን።
35 ጻዕሪ ጠኒሶም፡ ጥፍኣት ይወልዱ፡ ከርሶምውን ተንኰል እዩ ዜዳሉ።

 

1 ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ከምዚ ዝበለ ዘረባስ እምብዛ ሰሚዔ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ኲልኹም ዘይትጠቕሙ መጸናናዕቲ ኢኹም።
3 እዚ ንፋስ ዝዀነ ዘረባኻስ ተወዲኡዶ? ወይስ ክትመልስ እንታይ እዩ ዜላዕለካ ዘሎ?
4 ኣነውን ከማኻትኩም ገይረ ኽዛረብ ምኸኣልኩ፡ ንስኻትኩም ከምዚ ኸማይ እንተ ትዀኑስ፡ ርእሰይ እናነቕነቕኩ ቓላት ክሰዂዓልኩም ምኸኣልኩ ነይረ።
5 ብኣፈይ መበርታዕኩኹም፡ ምጽንናዕ ከናፍረይውን መህድኣኩም ነይሩ።
6 እንተ ተዛረብኩ፡ ቓንዛይ ዝግ ኣይብልን፡ ስቕ እንተ በልኩውን፡ ኣይሓድገንን እዩ።
7 ሕጅስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፡ ንብዘላ ማሕበረይ ኣዕኖኻያ።
8 ምጭምዳደይ ዚጐድኣኒ ምስክር እዩ፡ ዕብራነይ ተንሲኡ ይኸሰኒ።
9 ብቚጥዓኡ ይዘጋግለንን ይሰጐንን፡ ኣስናኑ ይሕርቅመለይ፡ ጸላእየይ ዓይኑ ኣፍጢጡ ይርእየኒ ኣሎ።
10 ኣፎም ናባይ ሃህ የብሉ ኣለው፡ እናጸረፉውን ጒንዲ እዝነይ ይጸፍዕኑ፡ ኲሎም ከኣ ይተሓባበሩለይ ኣለው።
11 ኣምላኽ ኣደዳ ዓመጽቲ ገበረኒ፡ ኣብ ኣእዳው ረሲኣን ደርበየኒ።
12 ኣነ ሀዲኤ ነይረ፡ ንሱ ድማ ቀጥቀጠኒ፡ ብኽሳደይ ሒዙ ሰባበረኒ፡ ዕላማኡ ገይሩ ኣቘመኒ።
13 ሰብ መንትጉ ይኸቡኒ፡ ንዀላሊተይ ብዘይ ምሕረት ይበሳስዖ፡ ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ይፍስሶ ኣሎ።
14 ከም ጅግና ዀይኑ ወዲቑኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቚስሊ፡ ቚስሊ ወሲኹኒ።
15 ወጮ ኣብ ቈርበተይ ሰፌኹማ ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደቤኹ።
16-17 ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሓዛ፡ ጸሎተይውን ንጹህ ክነሱስ፡ ገጸይ ብብኽያት ተገየረ፡ ኣብ ኰበሮ ዓይነውን ድነ ሞት ይሰፍር ኣሎ።
18 ኣቲ ምድሪ፡ ንደመይ ኣይትኸውልዮ፡ ንገዓረይውን ስፍራ ኣይትሀብዮ።
19 ሕጂውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ እንሆ፡ ዋሕሰይውን ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ።
20-21 ፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ።
22 ገና ሒዶት ዓመታት ኪሓልፋ እየን እሞ፡ በታ ዘይምለሰላ መገዲ ክኸይድ እየ።

 

1 መንፈሰይ ቀሀመ፡ መዓልትታተይ ይጠፍኣ፡ መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ።
2 መላገጽቲ ኸቢቦምኒ፡ ኣዒንተይ ድማ ብምምራሮም ይሐድራ ኣለዋ።
3 ሕጂ ኸኣ ዕርቡን ሀበኒ፡ ኣባኻ ተወሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ?
4 ከየስተውዕሉስ ንልቦም ዐጺኻዮ ኢኻ እሞ፡ልዕል ኣይከተብሎምን ኢኻ።
5 እቲ ንፈተውቱ ንበዝበዝቲ ኣሕሊፉ ዚህቦም፡ ኣዒንቲ ደቁ ኼሕለልዋ እየን።
6 ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ ገበረኒ፡ ኣብ ቅድሚኦም ጡፍ መበሊ ዀንኩ።
7 ኣዒንተይ ብሓዘን ሰልመታ፡ ኲለን ኣካላተይ ከም ጽላሎት ኰና።
8 እቶም ቅኑዓት በዚ ኺግረሙ እዮም፡ እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ረሲእ ኪህወኽ እዩ።
9 እቲ ጻድቕ ግና ኣብ መገዱ ይጸንዕ፡ እቲ ኣእዳው ዝንጹሃት ከኣ እናበርትዔ ይኸይድ።
10 ኤረ ዂላትኩም ተመለሱ፡ ንዑ፡ ግናኸ ሓደ ጢቢብ እኳ ኣይረኽበልኩምን እየ።
11 ዘመነይ ሐሊፉ፡ እቲ ልበይ ዚምነዮ ዝነበረ ምምዳበይ ፈሪሱ።
12 ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፡ ጸልማት ከሎስ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኣሎ፡ ይብሉ።
13 እቲ ዝጽበዮ ቤተይ ሲኦል እንተ ዀነ፡ መንጸፈይ ኣብቲ ጸልማት እንተ ኣንጸፍኩ፡
14 ንመቓብር፡ ኣበይ ኢኻ፡ ንሓሳኹውን፡ እኖይን ሓብተይን፡ እንተ በልክዎም፡
15 ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ? ኤረ ንተስፋይ መን ኪርእያ እዩ?
16 ኣብ ሓመድ ሐቢርና ምስ እንዐርፍ፡ ናብ መርሖታት ሲኦል ክትወርድ እያ።

 

1 ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ክሳዕ መኣዝከ ኢኹም ዘረባ ዘይትውድኡ? ኣስተብህሉ፡ ደሓር ንዛረብ።
3 ስለምንታይ ከም እንስሳ ተቘጸርና፡ በዒንትኹምስ ከም ርኹሳት ተርኤና፡
4 ኣታ ብዂራኻ ንነፍስኻ እትብሕጅር፡ ምድሪ ምእንታኻዶ ትባድም? ከውሕስ ካብ ስፍራኡዶ የግልስ?
5 እወ፡ ብርሃን እቲ ረሲእ ይጠፍእ፡ ሃልሃልታ ሓው ኣይበርህን።
6 ኣብ ድንኳኑ እቲ ብርሃን ኪጽልምት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ቐንዴልውን ኪጠፍእ እዩ።
7 ስጒምቲ ሓይሉ ይሐጽር፡ ምኽሪ ርእሱ የውድቖ።
8 ኣእጋሩ ናብ መጻወድያ የእትዋኦ፡ ኣብ ልዕሊ ወጽመድ ይመላለስ እዩ እሞ፡
9 ብሸዀናኡ ወጽመድ ይሕዞ፡ መፈንጠራውን የጽንዖ።
10 ኣብ ምድሪ ገመድ፡ ወጽመድ ኣብ መገዲ ተሐቢኡሉ።
11 ፍርሃት ከኣ ብዂሉ ወገን የጨንቖ፡ ናብ ዝኸዶ ዘበለውን ይሰጎ።
12 ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፡ መዓትውን ኣብ ጥቓኡ ተዳልዩ ይጸንሕ።
13 ንኣባላት ኣካሉ ይበልዖ፡ እወ፡ ናይ ሞት በዂሪ ወዲ ንኣባላቱ ይበልዖ።
14 ካብቲ ዚኣምኖ ዝነበረ ድንኳኑ ይምንቈስ፡ ናብቲ ንጉስ ረዓድ ይውሰድ።
15 ዘይሰቡ ኣብ ድናኳኑ ይሰፍሩ፡ ኣብ ማሕደሩውን ዲን ይንስነስ።
16 ኣብ ታሕቲ ሰረውሩ ይነቅጽ፡ ኣብ ላዕሊውን ጨናፍሩ ይቚረጽ።
17 ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፡ ኣብ ኣደባባይ ስሙ ኣይስመን፡
18 ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ይድፋእ፡ ካብ ዓለምውን ይስጐጒ።
19 ኣብ ማእከል ህዝቡ ውሉድን ደቂ ደቅን ኣይሐድግን፡ ኣብ ማሕደሩ ትርፊ የልቦን።
20 በታ መዓልቱ እቶም ዳሕሮት ይድነቑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ጸጒሮም ይኽየፍ።
21 ስፍራ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ እዚ እዩ።

1 ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጒህይዋ፡ ብዘረባውን ትሰባብሩኒ ኣሎኹም?
3 እንሆ፡ ዓሰርተ ሳዕ ጸሪፍኩምኒ፡ እትገፍዑንስ ኣይትሐፍሩን ዲኹም?
4 ብርግጽ ተጋግየ እኳ እንተ ዀንኩ፡ እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር።
5 ብሓቂ እንተ ተዐቤኹምለይ፡ ስለ ውርደተይ እንተ ገሰጽኩምኒ፡
6 እምበኣርስ ኣምላኽ ከም ዝዐመጸኒ፡ ብመፈንጠራኡውን ከም ዝኸበበኒ፡ ፍለጡ።
7 እንሆ፡ ተዐሚጸ ኢለ እጠርዕ ኣሎኹ፡ ኣይስማዕን ድማ እየ፡ ረዲኤት ደልየ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ፍትሒ ዜውጽኣለይ ከኣ የልቦን።
8 ኣነ ኸይሐልፍ ኢሉ ንመገደይ ዐጽይዎ፡ ኣብተን መተሓላለፍየይ ጸልማት ዘርጊሑለን።
9 ንሱ ኽብረተይ ቀንጢጡኒ፡ ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሲድዎ።
10 ብዂሉ ወገነይ ኣውዲቑኒ እዩ እሞ ጠፋእኩ። ንተስፋይ ከም ኦም መንቈሳ።
11 ንቚጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣቃጸሎ፡ ከም ጸላኢኡውን ቈጸረኒ።
12 ጭፍራታቱ ተኣኻኺቦም ኪወድቁኒ መገዲ ይጸርጉ፡ ኣብ ዙርያ ድንኳነይውን ይሰፍሩ ኣለው።
13 ነሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎም፡ እቶም ዚፈልጡኒ ኸም ኣጋይሽ ኰይኖምኒ።
14 ኣዝማደይ ካባይ ኣድሐርሒሮም፡ ኣመንተይውን ረሲዖምኒ፡
15 ቤተ ሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ይቘጽሩኒ፡ ጓና መሲለ ተርኤኽዎም።
16 ንግልያይ እጽውዖ፡ ኣቤት ኣይብለንን፡ ትሕት ኢለ ብኣፈይ እልምኖ ኣሎኹ።
17 ሰበይተይ ንስትንፋሰይ፡ ውሉድ ከርሰይ ከኣ ንልመናይ ጸሊኦምዎ።
18 ናእሽቱ ቘልዑ እኳ ይንዕቁኒ፡ ብድድ እንተ በልኩ፡ ይደፍሩኒ ኣለው።
19 ኲሎም መመኽርተይ ፈንፊኖምኒ፡ እቶም ፍቁራተይ ተገምጢሎምኒ።
20 ኣዕጽምተይ ምስ ቈርበተይን ስጋይን ተጣቢቑ፡ ግርጻነይ ጥራይ ተሪፉኒ።
21 ኣቱም ፈተውተይ፡ ኢድ ኣምላኽ ወቒዓትኒ እያ እሞ፡ ደንግጹለይ፡ ደንግጹለይ።
22 ንምምታይከ ኸም ኣምላኽ እትሰጉኒ? ንስጋይውን ዘይትጸግብዎ?
23 ኣየ፡ እዚ ዘረባይ እንተ ዚጸሐፍ፡ ኣየ፡ ኣብ መጽሓፍ እንተ ዚእርነብ፡
24 ብበሊሕ ሓጺንን ብዓረርን ኣብ ከውሒ ንሓዋሩ እንተ ዚቕረጽ።
25 ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ።
26 እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ።
27 ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ፡ ካልእ ኣይኰነን። ኰላሊተይ ኣብ ውሽጠይ ሐቒቑ።
28 ንስኻትኩም፡ ሱር እቲ ነገር ኣባይ ዘሎ መሲሉኩም፡ ንሰጐጎ፡ እንተ በልኩም፡
29 ፍርዲ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ መቕጻዕቲ ሓጢኣትሲ ሰይፊ እዩ እሞ፡ ንሰይፊ ፍርህዎ።

 

1 ድሕርዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ነዚ ምላሽ ክህብ ሓሳባተይ ይድርኸኒ፡ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ።
3 ዜነውረኒ መግናሕቲ ሰሚዔ፡ መንፈስ ኣእምሮይ ግና ምላሽ ይህበኒ።
4-5 ካብ ጥንቲ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚነብር፡ እልልታ ረሲኣን ሓጺር፡ ሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?
6 እቲ ልዕል ምባሉ እኳ ናብ ሰማይ እንተ ደየበ፡ ርእሱ ኸኣ ክሳዕ ደበና እንተ በጽሔ፡
7 ከምቲ ውጽኣት ግዳሙ ንሓዋሩ ይጠፍእ፡ እቶም ዝረኣይዎ፡ ኣበይ ኣሎ? ኪብሉ እዮም።
8 ከም ሕልሚ ይበርር እሞ ኣይርከብን፡ ከም ራእይ ለይቲውን ይበንን።
9 እታ ዝረኣየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፡ ቦታኡውን ደጊምሲ ኣይጥምቶም።
10 ውሉዱ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፡ ኣእዳው ነቲ ዝረብሖኦ ይመልሳ።
11 ዓጽሙ ብንእስነቱ ምሉእ እዩ፡ ምስኡውን ኣብ መሬት ለጥ ይብል።
12 ክፍኣት ንኣፋ መቂርዎስ፡ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሐብኦ፡
13 ካብኡ ኸይመልቆ እናኣርነበ፡ ኣብ ትንሓጉ ኣንተ ዐቘሮ፡
14 መብልዑ ኣብ ኣምዑቱ ይልወጥ፡ ኣብ ውሽጡ ሕንዚ ተመን ይዀኖ።
15 ንሃብቲ ውሒጥዎ እዩ እሞ ኺተፍኦ፡ ኣምላኽ ካብ ከብዱ ኼውጽኦ እዩ።
16 ንሕንዚ ተመን ኪመጽዮ፡ መልሓስ ተመን ከኣ ኪቐትሎ እዩ።
17 ንዓይኒ ማይን፡ መዓርን ጸባን ዚውሕዝ ርባታትን ኣይኪርእዮን እዩ።
18 ነቲ ፍረ ድኻሙ ኺመልሶ፡ ኣይኪውሕጦን ከኣ እዩ፡ እቲ ዚመልሶ ብመጠን ሃብቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብእኡ ባህ ኣይብሎን።
19 ንድኻታት ጠቕዖምን ጠንጠኖምን፡ ንቤት በዝበዞ፡ ኣይኪሰርሖን ከኣ እዩ።
20 ከብዱ ዕረፍቲ ስለ ዝይፈለጠስ፡ ካብቲ ዚፈትዎ ገለ እኳ ኣይኬድሕንን እዩ።
21 ስሳዔኡ ገለ እኳ ኣይገደፈን፡ ስለዚ እቲ ጣዕሚ ንብረቱ ኣይኪቐውንም እዩ።
22 ኣብ ምልኣት ሃብቱ ይጸቦ፡ ኢዱ ጽጉም ዘበለ ትወድቆ።
23 ከብዱ ኺመልእ ከሎ፡ ኣምላኽ ጓህሪ ቚጥዓኡ ኺሰደሉ፡ ኪበልዕ ከሎ ኸኣ ኬዝንመሉ እዩ።
24 ካብ ኣጽዋር ሓጺን እንተ ሀደመስ፡ ቀስቲ ኣስራዚ ኺወግኦ እዩ።
25 ይስሕቦ እሞ ካብ ስጋኡ ይወጽእ፡ እቲ ብልጭልጭ ዚብል ብልሑውን ካብ ሓሞቱ ይወጽእ፡ ስምባድ ይወድቆ።
26 ንመዝገቡ ጸልማት ዘበለ ተዐቚሩሉ፡ ብዘይ መናፍሕ ዚነድድ ሓዊ ኺውሕጦ፡ ነቲ ኣብ ድናኳኑ ዝተረፈውን ኪበልዖ እዩ።
27 ሰማያት ንኣባሳኡ ኪቐልዖ፡ ምድሪ ኸኣ ክትልዐሎ እያ።
28 ጥሪት ቤቱ ፋሕ ኪብል፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓኡ ኺፈስስ እዩ።
29 እቲ ረሲእ ከምዚ ዝበለ ዕድል ካብ ኣምላኽ ይቕበል፡ ብኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ርስቲ ተመዲብዎ እዩ።

 

1 ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 እስኪ ሓንሳእ ዘረባይ ስምዑኒ፡ ምጽንናዕኩም እዚ ይኹን።
3 ክዛረብ እስኪ ተዐገሱኒ፡ ምስ ተዛረብኩ፡ ኣባጭው።
4 ቊዝማይዶ ንሰብ እየ ዝነግሮ? ወይስ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዓቕለይ ዘይጸበኒ?
5 ናባይ ኣቕልቡ እሞ ክትድነቑ፡ ኣፍኩምውን በእዳውኩም ዕበሱ።
6 ኣነስ እንተ ዘከርክዎ፡ የስካሕክሓኒ፡ ንስጋይውን ረዓድ ይሕዞ ኣሎ።
7 ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ፡ ዚኣርጉ፡ ስልጣኖም ድማ ዚብርትዕስ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ?
8 ዘርኦም ምስኦም ኣብ ቅድሚኦም ይነብረ፡ሓድጎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዩ።
9 ኣባይቶም ፍርሃት ዜብሉ ህዱእ እዩ፡ ሸቦጥ ኣምላኽ ኣይቐርቦምን።
10 ኣርሓኦም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፡ ላሞምውን ከየቘልዔት ትወልድ፡
11 ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፡ ቈልዑኦም ይሰራሰሩ።
12 ብኸበሮን ብበገናን ይደርፉ፡ ብቓና ዕንዱር ይሕጐሱ።
13 ንዘመኖም ብጣዕሚ ንብረት የሕልፍዎ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ናብ ሲኦል ይወርዱ
14-15 ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እነገልግሎኸ መን እይ? ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ኪጠቕመና እዩ? ይብሉ።
16 እንሆ፡ ጣዕሚ ንብረቶም ኣብ ኢዶም ኣይኰነን፡ ምኽሪ ረሲኣንሲ ኻባይ ደኣ ይርሓቕ።
17 ክንደይ ሳዕ መብራህቲ ረሲኣን ዘይጠፍእ፡ መዓት ዘይወርዶም፡ ኣምላኽ ብቚጥዓኡ መከራ ዘይዕድሎም?
18 ክንደይ ሳዕከ እዮም ንፋስ ከም ዚወስዶ ሓሰር፡ ህቦብላ ኸም ዚብትኖ ብቚቡቚ ዘይኰኑ?
19 ኣምላኽሲ በደል እቲ ረሲእ ንደቁ ይዐቚሮ፡ ምእንቲ ኺፈልጦስ፡ ንእኡ ይፍደዮ።
20 ንጥፍኣቱ ብዓይኑ ይርእዮ፡ ካብ ቊጥዓ እቲ ዂሉ ዚኽእል ይስተ።
21 ቊጽሪ ኣዋርሑ ምስ ተበትካ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ቤቱ እንታይ ባህ ይብሎ?
22 ነቶም ልዑላት ዚፈርድ ኣምላኽሲ ፍልጠት ዚምህሮ መን እዩ?
23 እቲ ሓደ፡ ምሉእ ሓይሉ ኸለዎ፡ ህዱእን ሕጉስን ከሎ ይመውት፡
24 ተፈይቶታቱ ጸባ መሊኡ ኸሎ፡ ኣንጒዕ ኣዕጽምቱውን ልምሉም ከሎ ይመውት።
25 እቲ ሓደ ኸኣ ገለ ራህዋ እኳ ኸይጠዐመ፡ ነፍሱ እናተመረረት እዩ ዚመውት፡
26 ብሓደ ዀይኖም ኣብ መሬት ይድቅሱ፡ ሓሰኻውን ይኸድኖም።
27 እንሆ፡ ንሓሳባትኩም፡ ነቲ ኣባይ ዝመኸርኩምዎ ኽፋእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣሎኹ።
28 ንስኻትኩምሲ፡ ቤት መስፍን ኣበይ ኣሎ? እቲ ረሲኣን ዝነብርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ? ትብሉ ኣሎኹም።
29-30 እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዚዕቈር፡ ናብ መዓልቲ ቚጥዓውን ከም ዚምራሕ፡ ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን? ንምልክቶምከ ኣየስተብሀልኩምዎን ዲኹም?
31 ንመገዱ ኣብ ቅድሚኡ ዚዘርፎ መን ኣሎ? ነታ ዝገበራ ዚፈድዮ መን ኣሎ?
32 ናብ መቓብር ይወስድዎ እሞ፡ ኣብ ኲርባ መቓብር ይሕሉ፡
33 መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፡ ቅድሚኡ ታኣላው ዜብሎም ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኲሉ ሰብ ኪስዕብ እዩ።
34 ካብቲ ምላሽኩም ምጥላም ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ እሞ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ ተጸናንዑኒ ዘሎኹም?

 

1 ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ? ኣይፋል፡ እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዚጠቅም።
3 እቲ ዂሉ ዚኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ? ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ ካብኡዶ ረብሓ ኣለዎ?
4 ዚዘልፈካ ወይስ ናብ ፍርዲ ምሳኻ ዚእቱ፡ ስለ ዝፈርሃካ ድዩ?
5 ክፍኣትካዶ ዓብዪ ኣይኰነን? ኣበሳኻውን መወዳእታ ዜብሉዶ ኣይኰነን?
6 ካብ ሓውካ ብኸምኡ ታሕዚ ኣልዒልካ፡ ክዳን እቶም ዕሩቓት ገፊፍካ፡
7 ንጽሙእ ማይ ኣየስቴኻዮን፡ ንጥሙይውን እንጌራ ኸላእካዮ እሞ፡
8 ምድሪ ናይ ብዓል ቅልጽም ኰይና፡ እቲ ኽቡር ከኣ ኣብኣ ማሕደሩ ገበረ።
9 ንመበለታት ጥራይ ኢደን ሰዲድካየን፡ ቀላጽም ዘኽታማት ተሰቢሩ።
10 ስለዚ ንስኻ ብመፈንጠራታት ተኸቢብካ፡ ብናይ ድንገት ፍርሃትውን ተሸቢርካ እኔኻ፡
11 ወይስ ነቲ ኸቢቡካ ዘሎ ጸልማትን ወሓዚ ማይንዶ ኣይትርእዮን ኢኻ ዘሎኻ?
12 ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይዶ ኣይኰነን? ርእሲ ኸዋኽብቲ ኽንደይ በሪኽ ከም ዝዀነ ጠምት።
13 ንስኻውን፡ ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ? ብኽንየው ድቕድቕ ጸልማት ኰይኑዶ ኺፈርድ ይኽእል እዩ?
14 ከይርኢ ደበና ጋሪድዎ፡ ምምልላሱውን ኣብ ዙርያ ሰማይ እዩ፡ ትብል ኣሎኻ።
15 በታ እቶም እኩያት ሰባት ዝረገጽዋ ናይ ቀደም መገዲዶ ኽትከይድ ደሊኻ ኢኻ?
16 እቶም ጊዜኣቶም ከይበጽሔ እተቐዝፉ፡ መሰረቶም ከም ውሒዝ ዝወሐዘ ሰባት፡
17 ንሳቶም ንኣምላኽ፡ ካባና ኣግልስ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እንታይ ኰን ኪገብረና እዩ? በልዎ።
18 ግናኸ ነባይቶም ብጽቡቕ ነገር መልኤን፡ ምኽሪ እቶም ረሲኣን ካባይ ደኣ ይርሐቕ፡
19-20 ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ።
21 እምበኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር፡ በዚ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ።
22 ካብ ኣፋ ደኣ ሕጊ ተቐበል፡ ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።
23 ናብቲ ዂሉ ዚኽእል እንተ ተመለስካ፡ ንዓመጻ ኻብ ድንኳንካ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ከም ብሓድሽ ክትስራሕ ኢኻ።
24 ንመዝገብካ ናብ መሬት፡ ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ኣእማን ርባ ደርብዮ፡
25 ሽዑ እቲ ዂሉ ዚኽእል ወርቅኻን ዜንጸባርቕ ብሩርን ኪዀነልካ እዩ።
26 ሽዑ ንስኻ በቲ ዂሉ ዚኽእል ባህ ኪብለካ፡ ገጽካውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ።
27 ክትልምኖ፡ ንሱውን ኪሰምዓካ እዩ፡ ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ።
28 ዝሐሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካ፡ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ።
29 እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊ፡ ክትብል ኢኻ። ነቲ ትሑት ሰብ ኬናግፎ እዩ።
30 ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ኬናግፎ እዩ፡ ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዚናገፍ።

 

1 ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ሎሚውን ቊዝማይ ይተሃላለኽ ኣሎ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እህህታይ ትኸብድ ኣላ።
3 ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ እሞ፡ ናብ ዝፋኑ ንምብጻሕ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሀበኒ።
4 ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፡ ንኣፈይ ብመርትዒ ምመላእኩ።
5 ነቲ ዚመልሰለይ ቃላት ምፈለጥክዎ፡ እንታይ ከም ዚብለኒ ኸኣ መስተውዐልኩ ነይረ።
6 በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኺበኣሰኒ እዩ?ኣይፋል፡ ጽን ደኣ ምበለኒ እምበር።
7 ሽዑ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ምመጐተ፡ ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንሓዋሩ ምተናገፍኩ።
8 እንሆ፡ ንቕድሚት ኣቢለ እንተ ኸድኩ፡ ኣብኡ የሎን፡ ንድሕሪት እንተ ኸድኩውን፡ ኣይረኽቦን።
9 ኣብ ጸጋም እንተ ሰርሔ፡ ኣይርእዮን፡ ኣብ የማን እንተ ተሐብኤ ኸኣ፡ ኣይጥምቶን።
10 ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።
11 ኣእጋረይ ኣሰሩ ሒዘን፡ ተጠንቂቐውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን።
12 ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሓሎኽዎ።
13 ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ እዩ፡ መንከ ይኽልክሎ? ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር።
14 ነቲ እተመደበለይ ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዙሕ ከምዚ ዘመሰለ ምስኡ ኣሎ።
15 ስለዚ ኣብ ቅድሚ ገጹ እሽበር፡ እናሐሰብኩ ድማ ብእኡ እስምብድ ኣሎኹ።
16 ኣምላኽ ንልበይ ኣጃጅይዎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል የሸብረኒ ኣሎ እምበር፡
17 ኣብ ቅድሚ ጸልማትሲ ኣይጠፋእኩን፡ ንጣቓውን ኣብ ቅድሚ ገጸይ ኣይጋረዶን።

1 ስለምንታይ እቲ ዂሉ ዚኽእል ነቲ ጊዜታት ዘይስውሮ፡ ስለምንታይ ደኣ እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልትታቱ ዘይርእይወን?
2 ንዶብ የዝብልዎ፡ ንኸብቲ ዘሚቶም የውፍርወን።
3 ንዘኽታማት ኣድጎም የሕድግዎም፡ ንብዕራይ መበለትውን ታሕዚ ይሕዝዎ፡
4 ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፡ እቶም ጥቑዓት ምድሪ ሐቢሮም ይሕብኡ።
5 እንሆ፡ ከም ኣድጊ በረኻ ምግቢ እናደለዩ ናብ ውዕለቶም ይወጹ፡ በረኻውን ንደቆም ዚኸውን ምግቢ ይህቦም።
6 ኣብ ግራት ቋርፎም ይእክቡ፡ ኣብ ወይኒ እቲ ረሲእ ይቕርሙ፡
7 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሐድሩ፡ ኣብቲ ቚሪ ዚኽደንዎ የብሎምን።
8 ብርቱዕ ማይ ኣኽራን የጠልቅዮም፡ መጸግዒ ስኢኖም ድማ ከውሒ ይሐቚፉ።
9 ንዘኽታም ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፡ ካብ መሳኺን ታሕዚ ይወስዱ።
10 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይኸዱ፡ ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ።
11 ኣብ ውሽጢ መካበብያኦም ዘይቲ ይጸምቁ፡ ኣብ መጽመቚ ይጸምቁ እሞ ይጸምኡ።
12 እህህታ እቶም ውጹዓት ካብቲ ኸተማ ይወጽእ፡ ነፍሳት እቶም ቊሱላት ይጭርሓ ኣለዋ፡ ኣምላኽ ግና ነዚ ዓመጻ ግዱ ኣይገብርን እዩ።
13 እቲኣቶም ካብቶም ንብርሃን ዚጸልኡ እዮም፡ ንጐደናታቱ ኣይፈልጥወንን፡ ኣብ መገድታቱ ኣይጸንዑን።
14 እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ተንሲኡ፡ ነቲ ድኻን ጥቑዕን ይቐትሎ፡ ብለይቲ ኸኣ ከም ሰራቒ እዩ።
15 ዓይኑ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ፡ ገለ ዓይኒ ኸይትርእየኒ፡ እናበለ ገጹ ይጒልበብ።
16-17 ንዂላቶም ረፍዲ ኸም ድነ ሞት ይዀኖም፡ ምስ ፍርሃት ድነ ሞት ከኣ ስምምዕ ኣለዎም እሞ፡ ብጸልማት ናብ ቤት ኲዒቶም ይኣትው፡ መዓልቲ ግና ተዐጽዮም ይውዕሉ፡ ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።
18 ቀልጢፉ ብልዕሊ ማይ ይሰፍፍ፡ ዕድሎም ኣብ ምድሪ ርጉም እዩ፡ ናብቲ መገዲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይምለስን።
19 ደርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ ይውሕጦ፡ ከምኡውን ሲኦል ነቶም ዝሐጥኡ ይውሕጦም፡
20 ማሕጸን ይርስዖ፡ ሓሳኹ ብእኡ ይጸግቡ፡ ዚዝክሮውን የልቦን፡ እከይ ከም ኦም ይስበር።
21 ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድላ፡ ንመበለት ጽቡቕ ኣይገብረላን።
22 ንስልጡናት ብሓይሉ ይስሕቦም፡ ይትንስእ እሞ ኲሎም ሰብ ንህይወቶም ይቐብጽዋ።
23 ንሱ ህድኣት ሂቡ የዕርፎም፡ ኣዒንቱውን ንመገዶም ይቛመታ።
24 ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ግና ኣይርከቡን፡ ይወድቁ፡ ከምቶም ካልኦት ኲላቶም ይእከቡ፡ ከም ርእሲ ሰዊት ከኣ ይቚረጹ።
25 ከምኡ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ሓሳዊ ኺገብረኒ እዩ? ነቲ ዘረባይከ መን ከንቱ ኺገብሮ ይኽእል?

 

1 ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ምልክን ረዓድን ናቱ እዩ፡ ኣብ ኣርያሙ ሰላም ይገብር።
3 ንሰራዊቱ ኪቘጽሮም ዚኽእል መን እዩ? ብርሃኑ ዘይበረቖኸ መን አሎ?
4 ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ? ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል?
5-6 ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ፡ ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን።

1 ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2 ነቲ ሓይሊ ዜብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሐገዝካዮ፡ ነቲ ጽንዓት ዝሰኣነ ቕልጽምውን ኣድሓንካዮ።
3 ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሀብካዮ። ክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ።
4 ንመን ኢኻ ዘረባ እተዛረብካዮ? እቲ ኻባኻ ዚወጽእ መንፈስከ ናይ መን እዩ?
5 ምውታትሲ ኣብ ትሕቲ ማያትን ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብኡ ዚነብሩን የንቀጥቅጡ ኣለው፡
6 ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ፡ መዓሙቚውን ቅሉዕ እዩ።
7 ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።
8 ንማያት ኣብ ደበናኡ ይቘጽሮ፡ እቲ ደበናውን ብትሕቲኡ ኣይቕደድን።
9 ደበናታቱ እናዘርግሓሉ፡ ንገጹ ዝፋኑ ይስውሮ።
10 ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ።
11 ኣዕኑድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፡ ብተግሳጹውን ይሽበሩ።
12 ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ።
13 ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡ ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ።
14 ከብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል?

1 እዮብ መሊሱ ብምስላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2 እቲ ንነፍሰይ ዜመርራ ዂሉ ዚኽእል፡ ንመሰለይውን ዘግደፈኒ ኣምላኸይ ህያው እዩ፡
3 እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡
4 ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ።
5 ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን።
6 ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን።
7 ጸላእየይ ከም ረሲእ፡ ዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን።
8 እቲ ረሲእ፡ ንነፍሱ ኣምላኽ እንተ ቘረጻን እንተ መንጠላንሲ፡ እንታይ ተስፋ ኣለዎ?
9 መከራ እንተ ወረዶስ፡ ኣምላኽ ዶዀን ምህልላኡ ይሰምዖ ይኸውን?
10 ወይስ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ሃረርዶ ይብሎ እዩ? ኲሉ ጊዜዶ ናብ ኣምላኽ ይምህለል እዩ?
11 ኣነ ብዛዕባ ኢድ ኣምላኽ ክምህረኩም፡ ንሓሳባት እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይክሐብኣልኩምን እየ።
12 እንሆ፡ ኲሉኹም ባዕልኻትኩም ርኢኹምዎ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸንቱ ትዛረቡ ኣሎኹም?
13 ኣምላኽ ነቲ ረሲእ ዚህቦ ዕድል፡ እቲ ጨካን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ዚቕበሎ ርስቲ እዚ እዩ፡
14 ደቁ እንተ በዝሑ፡ ኣደዳ ሰይፊ እዮም፡ ውሉዱውን እንጌራ ኣይጸግቡን፡
15 እቶም ተርፋ ብሞት ይቕበሩ፡ መበለታቱውን ኣየልቅሳን።
16 ንብሩርስ ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፡ ንኽዳውንቲውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፡
17ንሱ ይድልብ፡ ግናኸ እቲ ጻድቕ እዩ ዚኽደኖ፡ ነቲ ብሩርውን እቲ ንጹህ ይማቐሎ።
18 ከም ቊንቊነ ቤቱ ይሰርሕ፡ ከምቲ ሓላዊ ዝሰርሓ ጐጆ እያ።
19 ብሃብታሙ ይድቅስ፡ ምስኡ ገለ እኳ ኣይማላእን፡ ኣዒንቱ ቛሕ የብል እሞ የሎን፡
20 ፍርሃት ከም ማያት ኰይኑ የርክቦ፡ ህቦብላ ብለይቲ ይምንጥሎ።
21 ንፋስ ምብራቕ ኣልዒሉ ይወስዶ፡ ካብቲ ቦታኡ ይነቕሎ።
22 ኣምላኽ ብዘይ ምሕረት ይውርውረሉ፡ ካብ ኢዱ ቐልጢፉ ኺሀድም ይደሊ።
23 ሰባት ኣእዳዎም የጣቕዑሉ፡ ካብ ቦታኡ እናፋጸዩ የውጽእዎ።

 

1 ንብሩርስ መብቈሊ፡ ነቲ ወርቂውን ዚፈሰሉ ቦታ ኣለዎ።
2 ሓጺን ካብ ምድሪ፡ ኣስራዚ ኸኣ ካብ እምኒ እዩ መኺኹ ዚወጽእ።
3 ሰብ ንጸልማት ወሰን ይገብረሉ፡ ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ኣእማን ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ይምርምሮ።
4 ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዂዕት፡ ካብ እግሪ ተረሲዖም፡ ካብ ሰብ ርሒቖም፡ ተንጠልጢሎም ይዝምብዩ።
5 ካብ ምድሪ እዩ እንጌራ ዚወጽእ፡ መዓሙቓ ግና ከም ብሓዊ ይግምጠል።
6 እቲ ኣእማና ናይ ሰፊሮስ ስፍራ እዩ። ድኹም ወርቂ ኸኣ ኣብኡ ይርከብ።
7 ነታ መገዲ እቲኣ ነፋሪ ዘበለ ኣይፈልጣን፡ ዓይኒ ንስሪውን ኣይረኣየታን።
8 እቶም ዕቡያት ኣራዊት ኣይረገጽዋን፡ ኣንበሳውን ኣይሐለፋን።
9 ሰብ ንኢዱ ናብ እምኒ ብላድ ይዝርግሓ፡ ነኽራን ካብ ሱሩ ይግምጥሎ።
10 ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድል፡ ዓይኑውን ኣብኡ ኽቡር ዘበለ ትርኢ።
11 ንመገዲ ማያት ከይነጥብ ይዐብሶ፡ ንስውር ነገር ናብ ብርሃን የውጽኦ።
12 ግናኸ ጥበብስ ኣበይ እያ እትርከብ? ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ?
13 ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፡ ኤረ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን።
14 መዓሙቚ፡ ንሳ ኣባይ የላን፡ ይብል፡ ባሕሪውን፡ ምሳይስ የላን፡ ይብል።
15 ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን፡ ብሩር ንዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ።
16 ብወርቂ ኦፊርን ብኽቡር ዕንቊን ሰፊሮስን ኣይትምዘንን፡
17 ወርቅን መረጸንን ኣይመስልዋን፡ ነቓሑ ወርቂውን ኣይትልወጥን።
18 ብዛዕባ ኣዕናቚን ክርስታልን እኳ ኣይዘረብ፡ ምጥራይ ጥበብስ ካብ ሉል ዚበልጽ እዩ።
19 ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመሳሰላን፡ ብጽሩይ ወርቂውን ኣይትምዘንን እያ።
20 ኤረ ጥበብስ ካበይ እያ እትመጽእ? ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ዘሎ?
21 ካብ ዓይኒ ዂሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ።
22 መዓሙቚን ሞትን፡ በእዛንና ወሬኣ ሰሚዕና፡ ይብሉ፡
23-24 ንወሰናት ምድሪ ዚቋመቶ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዚርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡ ንመገዳ ዜስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡ ንቦታኣ ዚፈልጥ ንሱ እዩ።
25 ንሱ ንንፋስ ሚዛን ምስ ገበረሉ፡ ንማይ ከኣ ብስፍሪ ምስ መዘኖ፡
26 ንዝናምሲ ሕጊ፡ ንበርቂ ነጐዳ መገዲ ምስ መደበሉ፡
27 ሽዑ ረኣያ እሞ ገለጻ፡ ኣቚሙውን መርመራ።
28 ንሰብ ድማ፡ እንሆ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ጥበብ እዩ፡ ካብ ክፋእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ፡ በለ።

 

1 እዮብ መሊሱ ብምሰላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2 አየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ከም በተን ኣምላኽ ዝሐለወኒ መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ።
3 መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኪደምቕ ከሎ፡ ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሐልፎ ኸሎኹ፡
4 ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድናኳነይ ኪዐርፍ ከሎ፡
5 እቲ ዂሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡ ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቘሙ ኸለው፡
6 ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሃበኒ።
7 ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡ ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹ፡
8 መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡ፡ ሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡
9 መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉ፡ ኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ።
10 ድምጺ መሳፍንቲ ተሐብኤ፡ መልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ።
11-12 ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረኣየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት።
13 ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒ፡ ንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ።
14 ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ። ፍትሔይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት።
15 ዓይኒ ንዝዖረ፡ እግሪውን ንዝሐንከሰ እዀኖ ነበርኩ።
16 ንድኻታትውን ኣቦኦም ነበርኩ፡ ነቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኸኣ ነገሩ መርመርኩሉ።
17 ንምንጋጋ ዓማጺ ሰበርኩ፡ ነቲ ዝዘረፎ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ።
18 ኣነ ሽዑ፡ ኣብ ቤተይ ክመውት፡ ንመዓልትታተይውን ከም ሑጻ ኸብዝሔን እየ፡
19 ሱረይ ናብ ማይ ኪዝርጋሕ፡ ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ኪሐድር እዩ።
20 ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፡ ቀስተይ ከኣ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ፡ በልኩ።
21 ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩ፡ ንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ።
22 ድሕሪ ዘረባይ መሊሶም ኣይተዛረቡን፡ ዘረባይ ኣብ ልዕሊኦም የንጠብጥብ ነበረ።
23 ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ ከም ንዝናም ጽብሓት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ነበሩ።
24 ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይኣመኑንን፡ ንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከኣሉን።
25 መገዶም መርመርኩ እሞ ከም ሓለቓ ተቐመጥኩ፡ ኣብ ማእከል ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡ ከምቲ ንሕዙናት ዜጸናንዕ እቕመጥ ነበርኩ።

 

1 ሕጂ ግና እቶም ብዕድመ ዚንእሱኒ፡ ነቦታቶም ምስቶም ኣኽላባት መጓሰይ እኳ ዘይመሕበርክዎም፡ ይንዕቁኒ ኣለው።
2 እዞም ናብ ዝበሰለ ዕድመ ኺበጽሑ ዘይኽእሉ ሰባት፡ ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ኪጠቕመኒ እዩ?
3 ብስእነትን ጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝጸመወን በረኻ ዝዀነን ንቑጽ ምድሪ ይግህጽዎ።
4 ካብ ጥቓ ቘጥቋጥ ቈጽሊ ኣምዒ ይቕንጥቡ፡ ሱር ቈጥቋጥ ምግቦም ይገብሩ።
5 ካብ ሕብረት ሰብ ይስጐጉ፡ ከም ንሰራቒ ደድሕሪኦም የድህዩ።
6 ኣብ ዜፍርህ ጋግ፡ ኣብ ጒድጓድ ምድርን ኣብ ማእከል ከውሕን ይነብሩ፡
7 ኣብ ማእከል ዱር ኰይኖም ይጭድሩ፡ ኣብ ትሕቲ እሾዂ ይእከቡ።
8 ውሉድ ደናቚርቲ፡ ስም ዜብሉ ዓሌት፡ ተገሪፎም ካብ ሃገር እተሰጉ ኣዮም።
9 ሕጂ ኣነ መድረፊኦም ኰንኩ፡ መዛረቢኦምውን ገበሩኒ፡
10 ርሒቕ ካባይ ሀዲሞም ይፍንፍኑኒ፡ ናብ ገጸይ ጡፍ ኪብሉ ኣይሐፍሩን እዮም።
11 ገመደይ ፈቲሑ ኣዋረደኒ እሞ፡ ነቲ ልጓም ኣብ ቅድመይ ደርበይዎ።
12 እዞም ሕማቓት ኣብ የማነይ ይትንስኡ፡ ነእጋረይ ይደፍእወን፡ ናይ ጥፍኣት መገዶም ኣብ ልዕለይ ይድርብዩ ኣለው።
13 ንመገደይ የፍርስዋ ኣለው፡ ንርእሶም እኳ ረዲኤት ዜብሎምስ፡ ንጥፍኣተይ ይተሓጋገዙ።
14 ብገፊሕ ነቓዕ ከም ዚኣትው ዀይኖም ይመጹኒ፡ ብፍሩስ መካበብያ ኣንካራርዮም ይኣትው።
15 ስምባደ ይወርደኒ፡ ከም ህቦብላ ዀይኖም ንኽብረይ የባርርዎ፡ ጣዕሚ ንብረተይ ከም ደበና ሐሊፉ።
16 ሕጂ ድማ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትመክኽ ኣላ፡ መዓልትታት መከራ ሒዘናኒ፡
17 ብለይቲ ኣዕጽምተይ ይንደል፡ ዚቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዐርፍን እዩ።
18 ብብርቱዕ ሓይሊ ሕማመይ ክዳነይ ተበላሽዩ፡ ከም ክሳድ ቀምሸይ ጠሚሩኒ።
19 ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፡ ከም መሬትን ሓመዂስትን ኰይነ።
20 ናባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ኣይትመልሰለይን፡ ደው ኢለ እኔኹ፡ ተኲርካ ትጥምተኒ ኣሎኻ።
21 ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፡ በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ ኣሎኻ።
22 ሓፍ ኣቢልካ ብህቦብላ ትሕልፈኒ፡ ብሸምቦባውን ተምክኸኒ ኣሎኻ።
23 ኤረ ናብቲ ዂሎም ህያዋን ዚእከቡሉ ቤት፡ ናብ ሞት ከም እትወስደኒ እፈልጥ ኣሎኹ።
24 ግናኸ ዚወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን? ወይስ ጥፍኣት ዝመጾዶ ኣየእውን እዩ?
25 ኣነስ ነቲ ጽጉም መዓልቲ ዝረኸቦዶ እበኽየሉ ኣይነበርኩን? ንድኻውን ነፍሰይ ትሐዝነሉዶ ኣይነበረትን?
26 እንሆ፡ ራህዋ ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፡ ግናኸ ጸበባ መጸ፡ ብርሃን ተጸቤኹ፡ ግናኸ ጸልማት መጸ።
27 ኣምዑተይ ይፈልሕ እሞ ኣይዐርፍን እዩ፡ መዓልትታት መከራ ተጓኒፈናኒ።
28 ብዘይ ጸሓይ ጸሊመ እዘውር ኣሎኹ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን እናተሳእኩ ኤእዊ።
29 ንወኻሩ ሓወን፡ ንሰገናትውን መሓዝኤን ኰንኩ።
30 ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካብ ስጋይውን ተፋላልዩ፡ ኣዕጽምተይ ከኣ ብረስኒ ሐሪሩ።
31 ስለዚ መሰንቆይ ናብ ሓዘን፡ ዕንዱረይ ከኣ ናብ ደሃይ ብኽያት ተለዊጡ።

 

1 ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል?
2 እቲ ግደ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ፡ እቲ ርስቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ካብ ላዕሊ እንታይ እዩ?
3 ጥፍኣት ንዓመጽቲ፡ ጸገማውን ንገበርቲ እከይ ደይኰነን ዚመጾም?
4 ንሱስ ንመገደይዶ ኣይርእያን? ንዂለን ስጒምተይከ ኣይቈጽረንንዶ እዩ?
5 ምስ ከንቱነት ሕብረት እንተ ኣሎኒ፡ እግረይ ናብ ጥልመት ትቕልጥፍ እንተ ዀይና፡
6 ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን፡
7 ስጒምተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡ ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ ስዒቡ እንተ ዀይኑ፡ ኣእዳወይ ገለ ርስሓት ተጸይቐን እንተ ዀይነንሲ፡
8 ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡ ፈልሰይውን ካብ ሱሩ ይመንቈስ።
9 ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሀንዚሉስ፡ ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጾናትየ እንተ ዀይነ፡
10-12 ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ፡ ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ።
13 ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስ፡ ንመሰሎም እንተ ነዐቕክዎ፡
14 ኣምላኽ ምስ ተንስኤ ደኣ፡ እንታይ ክገብር፡ ምስ ተቛጻጸረንስ፡ እንታይ ክመልሰሉ እየ?
15 እቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን?
16 ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ፡ ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡
17 ንቚራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ፡ እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዔ እንተ ዀይኑ፡
18 ንሱስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ደኣ ኸም ምስ ኣቦኡ ምሳይ ዐበየ፡ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ኸኣ ንእኣ መራሕክዋ።
19 ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ ወይስ ንድኻ ብዘይ ማቕ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡
20 ጐኑ ዘይመረቐኒ፡ ጸጒሪ ኣባጊዔይ ዘየሞቖ እንተ ዀይኑ፡
21 ኣብ ደገስ ጸግዔይ ርእየ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ፡
22 መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለ፡ ቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር።
23 መዓት ኣምላኽ ኣሰምበደኒ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።
24 ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ፡ ነቲ ጽሩይ ወርቂ፡ እምንቶይ ኢኻ፡ ኢለ እንተ ዀይነስ፡
25 ብእለይ በዚሑለይ ኢደይ ኣብዚሓ ደሊባ፡ ኢለ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡
26 ንምድማቕ ብርሃን ጸሓይን፡ ነቲ ኽቡር ኣኻይዳ ወርሕን ጠሚተ እንተ ዀይነ፡
27 ልበይ ብስውር ተጠቢሩስ፡ ኣፈይ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡
28 በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ፡ እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቕጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ።
29 ብጒድኣት ጸላእየይ ባህ ኢሉኒ እንተ ዀይነ፡ መከራ ምስ ወረዶውን፡ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡
30 ንነፍሱ እናረገምኩ ይሙት ክብል ንትንሓገይ ኣይፈቐድኩሉን።
31 ሰብ ድንኳነይ፡ ካብ ስጋኡ ዘይጸገበ መን ኰን ይኸውን? ዘይበሉ እንተ ዀይኖም፡
32 መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሐደረን፡ ደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ።
33-34 ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡
35 ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ። እንሆ፡ ጽሕፈት ኢደይ፡እቲ ዂሉ ዚኽእል ይምለሰለይ፡ እቲ ወደረኛይ ድማ ክሱ ይጽሐፍ።
36 ብሓቂ ኣብ መንኩበይ ምጾርክዎ፡ ዘውደይውን ምገበርክዎ፡
37 ቊጽሪ ስጒምተይ መፍለጥክዎ፡ ከም መስፍን ዀይነ ምቐረብክዎ።
38 ግራተይ ጠሪዓትለይ እንተ ዀይና፡ ኲለን ትልምታታውን በኽየን እንተ ዀይነን፡
39 መሰል ከይሀብኩስ ንፍሬኣ በሊዔዮ እንተ ዀይነ፡ ህይወት ሓረስቶት ኣሕዚነየን እንተ ዀይነ፡
40 ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይስ ክርዳድ፡ ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ሰዓዕ ተብቊለለይ። ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተፈጸመ።

 

1 እዮብ ንርእሱ ጻድቕ ኰይኑ ስለ እተራእዮ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሐደጉ።
2 ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ ኻብ ዓሌት ራም፡ ብዂራ ተናደደ፡ ንእዮብ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ፡ ኣበርቲዑ ዀረየሉ።
3 ነቶም ሰለስተ ፈተውቱውን፡ ንእዮብ ምላሽ ስለ ዘይረኸቡሉ እሞ ስለ ዝፈረድዎ፡ ኰረየሎም።
4 ብዕድመ ይዐብይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ከይተዛረቦ ጸንሔ።
5 ኤሊሁ ግና፡ ሰለስቲኦም ብኣፎም ዚመልስዎ ስኢኖም ምስ ረኣየ፡ ብዂራ ተናደደ።
6 ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣነ ብዕድመ ንኡስ እየ፡ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፡ ስለዚ ኸኣ ሐፊረስ ክሳዕ ሕጂ ስቕ በልኩ፡ ሓሳበይውን ኣይገለጽኩልኩምን።
7 ኣነ፡ እተን መዓልትታት ይዛረባ፡ ብዝሒ ዓመታት ከኣ ጥበብ የፍልጥ፡ ኢለ ሐሰብኩ።
8 ግናኸ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስን እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእልን እዩ ምስትውዓል ዚህብ።
9 ዓበይቲ ኣይኰኑን ጠቢባን ዝዀኑ፡ ሽማግሌታትውን ኣይኰኑን ንቕኑዕ ዜስተውዕሉ።
10 ስለዚ ድማ ኣነውን ሓሳበይ ክገልጽሲ፡ ስምዑኒ፡ እብል ኣሎኹ።
11 እንሆ፡ እትዛረብዎ ኽሰምዕ ተጸቤኹ፡ ቃላት ክትምርምሩ ኸሎኹምሲ፡ ንቑም ነገርኩም ጽን በልኩ።
12 ኣጸቢቐ ኣቕለብኩልኩም እሞ፡ እንሆ፡ ንእዮብ ዘረድኦ ንዘረባኡ ኸኣ ምላሽ ዝሀበሉ ካባኻትኩም ሓደ እኳ የልቦን።
13 ንስኻትኩም፡ ጥበብ ረኺብና፡ ኣምላኽ እዩ ዚስዕሮ፡ ሰብ ኣይኰነን፡ ኣይትበሉ።
14 ንኣይስ ገለ እኳ ኣይተዛረበንን፡ ብዘረባኹም ከኣ ኣይክመልሰሉን እየ።
15 ሰምቢዶም፡ ድሕርዚ ዘረባ ስኢኖም፡ ምላሽ ኣይሀቡን።
16 ገለ እኳ ኸይመለሱን ከይተዛረቡን፡ ደው ኢሎም እዮም እሞ፡ ኣነ ኽጽበ ድየ?
17 ኣነውን ብታራይ ክመልስ፡ ኣነ ድማ ሓሳበይ ክገልጽ እየ።
18 ቃላት መሊኡኒ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ይድርኸኒ ኣሎ።
19 እንሆ፡ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ ብጎዕሽ ወይኒ ኪቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።
20 ክዛረብ እሞ ከስተንፍስ፡ ከናፍረይ ከፊተስ ክመልስ እየ።
21-22 ንምቅብጣር እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን፡ ንሓደ እኳ ብምቅብጣር ኣይዛረብን እየ። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ፡ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ።

 

1 ዎ እዮብ፡ ሕጂ ግና ንዘረባይ ስማዕ፡ ንዂሉ ቓለይ ከኣ ጽን በሎ።
2 እንሆ፡ ኣፈይ እኸፍት ኣሎኹ፡ መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ።
3 ዘረባይሲ ቕንዕና ልበይ እዩ ከናፍረይ ከኣ ነቲ ዚፈልጣኦ ብቕንዕና ኺነግራ እየን።
4 መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፡ እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእል እዩ ህይወት ዝሀበኒ።
5 እንተ ኽኢልካስ ምለሰለይ፡ ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም።
6 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከማኻ እየ፡ ኣነ ድማ ካብ መሬት እተገበርኩ እየ።
7 እንሆ፡ ንኣይ ፈሪህካ ኣይክትሽበርን፡ ኢደይውን ኣይክትከብደካን እያ።
8 ብሓቂ ኣብ ኣእዛነይ ተዛረብካ፡ ድምጺ ቓላትካ ሰሚዔ፡
9 ኣነ ብዘይ በደል ጽሩይ እየ፡ ንጹህ እየ፡ ሓጢኣት ከኣ የብለይን።
10 እንሆ፡ ንሱ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፡ ከም ጸላኢ ይርእየኒ ኣሎ፡
11 ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ኣሲሩወን፡ ንዂለን መገደይ ይቋመተን ኣሎ።
12 እንሆ፡ ኣምላኽ ካብ ሰብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ በዝስ ተጋጊኻ ኢለ እመልሰልካ ኣሎኹ።
13 ብነገሩ ምላሽ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ምስኡ እትካራኸር?
14 ኣምላኽ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዘረብ፡ ሰብ ግና ኣየቕልብን እዩ።
15 ብሕልሚ፡ ብናይ ለይቲ ራእይ፡ ንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፡ ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ፡
16-18 ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮ፡ ንነፍሱ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃ፡ ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡ ንተግሳጹ ይሓትሞ።
19 ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቓያት፡ ኣብ ዓጽሙ ዂሉ ጊዜ ብቓንዛ ይቕጻዕ፡
20 ሽዑ ህይወቱ ንእንጌራ፡ ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።
21 ዘይርኤ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይማስን። እቲ ቕድም ዘይተራእየ ኣዕጽምቱ ይቕላዕ።
22 ከምኡ ነፍሱ ናብ መቓብር፡ ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።
23 ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዚምህሮ፡ ካብ ኣሽሓትስ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ ዚሕልዎ መልኣኽ እንተ ተረኽበ ግና፡
24 ሽዑ ንሱ፡ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ።
25 ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጒብዝናኡ ይምለስ።
26 ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡ ንሱ ጸጋ ኺህቦ እዩ፡ ንገጹውን ብሓጐስ የርእዮ፡ ነቲ ሰብቲ ጽድቁ ይመልሰሉ።
27-28 ሽዑ ንሱ፡ ኣነ በደልኩ ፍትሒውን ደፈንኩ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸኣ ኣይተቐጻዕኩን፡ ነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ተበጅይዋ፡ ህይወተይ ብርሃን ትርኢ ኣላ፡ ኢለ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።
29-30 እንሆ፡ ንነፍሱ ኻብ መቓብር ኪመልሳ፡ ብብርሃን ህያዋን ምእንቲ ኽትበርህስ፡ ኣምላኽ ነዚ ዂሉ ኽልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ንሰብ ይገብሮ።
31 ኣታ እዮብ፡ ኣስተብሂልካማ ስማዓኒ፡ ክዛረብሲ ስቕ በል።
32 እትብሎ እንተ ኣልዩካ ምለሰለይ፡ ከጽድቐካ እደሊ ኣሎኹ እሞ፡ ተዛረብ።
33 እንተ ክምህረካስ፡ ጽን በል። ጥበብ ክምህረካስ፡ ስቕ በል።

 

1 ኤሊሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2 ኣቱም ጠቢባን፡ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፡ ኣቱም ፍልጠት ዘሎኩም፡ ናባይ ኣቕልቡ።
3 ትንሓግ ንብልዒ ኸም ዜስተማቕሮ፡ እዝኒ ንዘረባ ይዕዘቦ።
4 ቅኑዕ ንምረጽ፡ ንሰናይ ሐቢርና ነስተብህሎ።
5-6 እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡ ኣነስ ጻድቕ እየ፡ ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡ ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቊስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ።
7-8 እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡ ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዚኸውን፡ ምስቶም ረሲኣን ዚሐብር፡ ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ፡ ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ?
10 ስለዚ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፡ እስኪ ስምዑኒ፡ ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ፡ ክፍኣትውን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ይርሐቕ።
11 ንሰብ ደኣ ከከምታ ግብሩ ይፈድዮ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ።
12 ብርግጽ፡ ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን።
13 ንምድሪ ሓደራ ዝሀቦ መን እዩ? ንዂላ ዓለም ዝሰረታኸ መን እዩ?
14 ንሱ ንሰብ እንተ ዚሐስቦስ፡ ንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡
15 ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ሓቢሩ ምጠፍኤ፡ ሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ።
16 ምስትውዓል እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፡ ናብቲ ድምጺ ቓላተይ ኣቕልብ።
17 እቲ ንቕንዕና ዚጸልእዶ ኺገዝእ እዩ? ነቲ ጻድቕን ስልጡንን ንስኻዶ በዳሊ ኽትገብሮ ኢኻ?
18 ሰብዶ ንንጉስ፡ ኣታ ብልያል፡ ወይስ ንመኳንንቲ፡ ኣቱም ረሲኣን፡ ይብሎም እዩ?
19 ኲላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡ ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉን፡ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን።
20 ብቕጽበት ዓይኒ ይሞቱ፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እኳ የንቀጥቅጡን ይሐልፉን፡ እቶም ሓያላት ድማ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ።
21 ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዂሉ ስጒምቶም ይርእዮ እዩ።
22 እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዚሕብኡሉ ጸልማት ወይስ ድነ ሞት የልቦን።
23 ኣምላኽ ንሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኺፈርድ ኢሉ ኺመጽእ ከሎ፡ ተጠንቂቑ ኺጥምቶ ኣየድልዮን እዩ እሞ፡
24 ንሓያላት ብዘይ ምምርማር ይጭፍልቖም ኣብ ክንድኦም ከኣ ካልኦት የቕውም።
25 ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ እሞ፡ ብለይቲ ይግልብጦም ይቕጥቅጦም ከኣ።
26-28 ገዓር ድኻ ናብኡ ኺበጽሕ፡ ንገዓር ሽጉራት ድማ ኬስምዕዎስ፡ ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡ ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡ ከም ንረሲኣን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም።
29-30 ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡ ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሀበ፡ መን እዩ ዚዂንኖ? ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዚርእዮ?
31-32 ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡ ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ? ነቲ ዘይርእዮ ምሀረኒ፡ በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ?
33 ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ከም ሓሳብካ ገይሩዶ ፍዳ ኺህብ እዩ? ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ እስኪ ብዛዕባ እዚ ምረጽ፡ ኤረ ነቲ እትፈልጦ ተዛረብ።
34-35 ለባማት ሰባትን ዚሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡ እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዚዛረብ፡ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ኪብሉኒ እዮም።
36-37 እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን።

 

1 ኤሉሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2 ንስኻስ፡ ሓለፋ ኣምላኽ ጻድቕ እየ፡ ምባልካ ቅኑዕዶ ይመስለካ?
3 እንታይ ይጠቕመኒ? እንተ በደልኩኸ እንታይ ክረብሕ እየ? ትብል ኣሎኻ እሞ፡
4 ነዝስ ኣነ ክመልሰልካ፡ ኤረ ነቶም ብጾትካውን ምሳኻ፡
5 እስኪ ንሰማያት ኣቢልካ ርኤ እሞ፡ ነቲ ኻባኻ ልዕል ደበና ተመልከቶ።
6 እንተ በደልካስ፡ እንታይ ትገብሮ፡ ኣበሳኻ እንተ በዝሔኸ፡ እንታይ ትጐድኦ ኢኻ?
7 ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ እንታይ ትህቦ? ካብ ኢድካስ እንታይ እዩ ዚቕበሎ?
8 ረሲእነትካ ንዝኸማኻ ሰብሲ ይጐድኦ፡ ጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ ይጠቕሞ ይኸውን።
9 ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ይግዕሩ፡ብምኽንያት ቀላጽም እቶም ዓበይቲ የእውዩ።
10-11 ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ? ዚብል የልቦን።
12 ብሰሪ ትዕቢት እኩያት ሽዑ ይጠርዑ፡ ግናኸ ንሱ ምላሽ ኣይሀቦምን።
13 ብሓቂ፡ ኣምላኽ ንኸንቱነት ኣይሰምዖን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ከቶ ኣየቕልበሉን።
14 ምናዳ ግና ከም ዘይትርእዮ እንተ በልካ፡ ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ ንስኻውን ተጸበዮ።
15 ሕጂኸ ብቚጥዓኡ ስለ ዘይቀጽዔ፡ ንድፍረት ከም ዘይፈልጦዶ ይመስለካ ኣሎ?
16 እምበኣርከ እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡ ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ።

1 ኤሊሁ ወሲኹ ተዛረበ፡
2 ስለ ኣምላኽ ገና ዚዝረብ ኣሎኒ እሞ፡ ኣነ ኸምህረካ ቕሩብ ጽናሕ።
3 ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምጽኦ እየ፡ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ።
4 ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፡ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ ምሳኻ ኣሎ።
5 እንሆ፡ ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡ ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን፡ ብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ።
6 ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋን፡ ንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም።
7 ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንን፡ ንሓዋሩ ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም፡ እሞ ልዕል ይብሉ።
8 ብሰንሰለት እንተ ተኣሰሩ፡ በግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ፡
9 ንሱ ንተግባሮም፡ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም።
10 እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ፡ ካብ ሓጢኣት ኪምለሱ ይእዝዞም።
11 እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፡ መዓልትታቶም ብሰናይ፡ ዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ።
12 እንተ ዘይሰምዑ ግና፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ፡ ብዘይ ፍልጠትውን ኪሞቱ እዮም።
13 እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝዀኑ ግና ኲራ የብዝሑ፡ እንተ ኣሰሮም ከኣ ኣየእውዩን።
14 ነፍሶም ብሰዊታ ትቕዘፍ፡ ህይወቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርኹሳት ትጠፍእ።
15 ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖ፡ ብጭንቀትውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።
16 ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ ጸበባ ናብቲ ጭንቂ ዜብሉ ገፊሕ ቦታ ኼውጽኣካ፡ ስቡሕ መኣዲውን ኪቕርበልካ እዩ።
17 ንስኻ ግና ፍርዲ ረሲእነት መሊእካ ኣሎኻ፡ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።
18 ኲራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ፡ ካሕሳ እንተ በዝሔ እኳ፡ ኣየጋጊኻ።
19 ሃብትኻን ኲሉ ምብርታዕ ሓይልኻን ካብ ጸበባ ኼውጽኣካዶ ይኣክል እዩ?
20 ነታ ነህዛብ ካብ ቦታኦም እትጸርጎም ለይቲ ኣይትናፍቃ።
21 ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ።
22 እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፡ ከምኡ ገይሩ ዚምሀርከ መን እዩ?
23 መገዱ ዝሐበሮ መን እዩ? መንከ፡ ሓጢኣት ጌርካ፡ ኪብሎ ይኽእል?
24 ነቲ ሰባት ዚውድስዎ ተግባሩ ከተዕብዮ ደኣ ዘክር።
25 ኲሎም ይጥምትዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማዕድዩ ይርእዮ።
26 እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን።
27 ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡ ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም።
28 ደበናታት የንጠብጥቦ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ።
29 ኤረ ንምዝርጋሕ ደበናታት፡ ነቲ ኻብ ድንኳኑ ዚወጽእ ደሃይውን መን እዩ ዜስተውዕሎ?
30 እንሆ፡ ንብርሃኑ ኣብ ዙርያኡ ይዝርግሖ፡ ንመዓሙቚ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ።
31 በዚ ኸምዚ ነህዛብ ይፈርዶም፡ ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህብ።
32 ነእዳው ብመብረቕ ይስውረን፡ ናብቶም ተጻረርቲ ይውርውሮ።
33 ነጐዳጓዱ ስሌኡ ይነግር፡ እንሰሳታት ከኣ ምቕራብ ይፈልጡ።

 

1 እወ፡ በዝስ ልበይ የንቀጥቅጥ፡ ካብ ስፍራኡ ኸኣ ይናወጽ ኣሎ።
2 ኣታ ስምዑ፡ ነቲ ምህማም ድምጹ፡ ነቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ደሃይ ስምዕዎ።
3 ንእኡ ናብ ትሕቲ ዂሉ ሰማይ ንመብረቑውን ክሳዕ ወሰን ይሰዶ።
4 ድሕርዚ ድምጺ ይጓዝም፡ በቲ ግርማዊ ድምጺ የንጐድጒድ፡ ድምጺ ምስ ዚስማዕውን፡ ንበርቅታት ኣይኽልክሎን።
5 ኣምላኽ ብድምጹ ዜደንቕ ገይሩ የንጐድጒድ፡ ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገር ይገብር።
6 ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድ፡ ይብሎ።
7 ኲሎም ሰብ ተግባሩ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ንኢድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይሐትሞ።
8 ሽዑ ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትው፡ ኣብ በበዓቶም ይቕመጡ።
9 ህቦብላ ኻብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፡ ዛሕሊ ኸኣ ካብ ሰሜን ይወጽእ።
10 ብእስትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፡ ምግፋሕ ማያት ድማ ይጸብብ።
11 ንደበናታት ማይ ይጽዕኖም፡ ንናይ መብረቕ ደበናታትውን ይብትኖም።
12 እዚኣቶም፡ ነቲ ንሱ ዚእዝዞም ዘበለ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኺገብሩስ፡ ብእኡ እናተመርሑ ናብዝን ናብትን ይመላለሱ ኣለው።
13 ወይ ንመቕጻዕቲ ወይ ንምድሩ ወይ ንምሕረት የውርዶም።
14 እምበኣርስከ ዎ እዮብ፡ ነዚ ስማዕ፡ ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።
15 ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዜቃንዖም፡ ንበርቂ ደበናኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጦ ዲኻ?
16 ነቲ ምድልዳል ደበና፡ ናይቲ ፍልጠቱ ፍጹም ዝዀነ ዜደንቅ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ?
17 ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ምስ ደንዘዘት፡ ንስኻ ኽዳውንትኻ ዜድህረካስ ተስተውዕሎ ዲኻ?
18 ነቲ ኸም ፍሱስ መስትያት ዝምጽናዑ ሰማይሲ ምስኡ ዄንካዶ ዘርጊሕካዮ ኢኻ?
19 ንሕናስ ብሰሪ ጸልማት ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ ንእኡ እንብሎ፡ ንስኻ ምሀረና።
20 ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪነግርዎ ድዮም? ኪውሐጥ ዚደሊ ሰብዶኸ ኣሎ?
21 ሕጂ እቲ ኣብ ውሽጢ ደበናታት ዚበርህ ብርሃን ኣይርኤን እዩ፡ ግናኸ ንፋስ ሐሊፉ የጽርዮ።
22 ወርቂ ኻብ ሰሜን እዩ ዚመጽእ፡ ኣምላኽ ብዜፍርህ ግርማ ተኸቢቡ ኣሎ።
23 ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንሱ ብሓይሊ፡ ብፍርዲ፡ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፡ ንሓደ እኳ ኣይጭቊንን።
24 ስለዚ እዩ ሰባት ዚፈርህዎ፡ ነቶም ብልቦም ጠቢባን ዝዀኑ ኣየቕልበሎምን እዩ።

 

1 ሽዑ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡
2 ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ?
3 ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ።
4 ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ? ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ።
5 ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ?ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ?
6-7 ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ? ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን?
8 ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ?
9 ደበና ልብሱ ኪኸውን፡ ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ፡
10 ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ፡ መሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ፡
11 ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡ እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ በልኩ።
12-13 ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ?
14 ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡ ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም፡
15 ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር።
16 ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ? ኣብ ውሽጢ መዓሙቚከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ?
17 ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ? ኤረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ?
18 ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ? እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ።
19-20 ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ? ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ?
21 ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡ ኤረ ቚጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ።
22-23 ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ? ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ?
24 ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዚምቀለላ፡ ንፋስ ምብራቕ ዚዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ?
25-27 ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ?
28 ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ?
29 በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ? ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ?
30 ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ።
31 ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡ ንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ?
32 ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ?
33 ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ? ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ?
34 ብዝሒ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከኣለካ እዩ?
35 እኔና ኢሎምኻ ኪኽዱስ፡ ንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከኣለካ እዩ?
36 ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ? ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ?
37-38 ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ?
39-40 ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ?
41 ኳዂ፡ ጨጫውቱ ዚብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉ፡ ዚምግቦኸ መን እዩ?

 

1 ነቲ ጤለ በዱ እትወልደሉ ጊዜ ትፈልጦዶ? ነቲ እራብ ቅልውላው እትተሐዘሉ ጊዜኸ ተመልኪትካዮዶ ኣሎኻ?
2 ነቲ ምብጻሕ ኣዋርሔንዶ ትቘጽሮ? ነቲ ንሳተን ዚወልዳሉ ጊዜስ ትፈልጦዶ?
3 ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፡ ካብቲ ጻዕረን ከኣ ይዐርፋ።
4 መሓስኤን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ይዐብያ፡ ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን፡
5-6 ነቲ ጸምጸም በረኻ ስፍራኡ፡ ምድሪ ጨው ከኣ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሀብክዎ ኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውጽኤ መን እዩ? ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዚብል ኣድግስ መእሰሪኡ መን ፈትሓሉ?
7 ነቲ ናይ ከተማ ጫውጫው የባዕጭወሉ፡ ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን።
8 ነቲ ዚበልዓሉ ጎቦታት ይምልከቶ፡ ለምለም ዘለዎ ዂሉ ኸኣ ይደሊ።
9 ጐባይከ ኺግዝኣካዶ ፍቓዱ እዩ? ኣብ ደምቤኻስ ይሐድረልካዶ?
10 ምእንቲ ኺትልመልካዶ ንጐባይ ብገመድ ትኣስሮ ኢኻ? ደድሕሬኻኸ ንለሴታትዶ ይጒልጒል እዩ?
11 ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝዀነዶ ኽትእመኖ፡ ወይስ ንዕዮኻዶ ኽትገድፈሉ ኢኻ?
12 እኽልኻ ኪኸተልካ፡ ኣብ ዓውዲውን ኪእክቦ ትኣምኖዶ ኢኻ?
13 ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፡ ግናኸ ኣኽናፋን ክንቲታን ርሕሩሕዶ እዩ?
14 ንእንቋቚሖኣ ኣብ ምድሪ ተውድቖ፡ ኣብ ልዕሊ ሑጻውን ተሙቖ።
15 እግሪ ኸይጭፍልቐለይ፡ ኣራዊትውን ከይረግጸለይ፡ ኢላ ኣይትዝክርን እያ።
16-17 ኣምላኽ ጥበብ ከሊእዋ፡ ምስትውዓልውን ኣይዓደላን እዩ እሞ፡ ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉ፡ ጻዕራ ኸንቱ ብምዃኑ ኣይትጒህን።
18 ብድድ ኢላ ምስ ሸበበት፡ ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቆም።
19 ንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ?
20 ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ? ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ።
21 ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ።
22 ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ።
23 ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።
24 እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን።
25 መለኸት ምስ ዚሰምዕ፡ ይሕምሕም፡ ንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ ይሽትቶ።
26 ሊላ ንላዕሊ ዚነፍር፡ ኣኽናፋውን ንደቡብ ኣቢሉ ዚዝርግሕከ ብጥበብካ ድዩ?
27 ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግ፡ ቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዚሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ?
28 ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡ ኣብ ልዕሊ እምባ ይሐድር።
29 ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱ፡ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።
30 ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡ ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።

 

1 እግዚኣብሄር ንእዮብ መለሰሉ በሎውን፡
2 እቲ ወቓሲ ምስቲ ዂሉ ዚኽእልዶ ኺማጐት እዩ? እቲ ንኣምላኽ ዚግስጾ ሕጂ ይምለስ።
3 ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡
4 እንሆ፡ ኣነ ምናምን እየ፡ እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ? ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ።
5 ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣይክመልስን እየ፡ ኤረ ኽልተ ሳዕ፡ ግናኸ ኣይክደግምን እየ።
6 ድማ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ተዛረቦ በሎውን፡
7 ሰብኣይ ኩን፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምሀረኒ።
8 ርእስኻ ምእንቲ ኸተጽድቕሲ፡ ንፍርደይዶ ኸንቱ ኽትገብሮ፡ ንኣይከ ኽትኲንነኒዶ ትደሊ ኣሎኻ?
9 ከም ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ቕልጽምዶ ኣሎካ? ከምቲ ድምጹ ጌርካ ኽተንጐድጒድዶ ይከኣለካ እዩ?
10 እምበኣርስከ ኽብረትን ልዕልናን ተሰለም፡ ክብርን ግርማን ከኣ ልበስ።
11 ንውሒዝ ቊጥዓኻ ኣፍሲስካ፡ ንዕቡይ ዘበለ ዂሉ ጠሚትካ ኣዋርዶ።
12 ንዕቡይ ዘበለስ ጠሚትካ ትሕት ኣብሎ፡ ንረሲኣንውን ኣብ ቦታቶም ርገጾም፡
13 ንዂላዂሎም ኣብ ሓመድ ሕብኣዮም፡ ኤረ ንገጾም ኣብ ሕቡእ ስፍራ ዕጸዎ፡
14 ሽዑ ኣነ ድማ፡ የማነይትኻ ተድሕነካ እያ፡ ኢለ ኽንእደካ እየ።
15 ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡
16 እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ፡ ምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ።
17 ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖ፡ ጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡
18 ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቶ ኣስራዚ እዩ፡ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ።
19 ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦ።
20 ኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ።
21 ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡
22 ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ።
23 ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውን፡ ህዱእ እዩ።
24 እናረኣየዶ ይተሐዝ እዩ? ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ?
25 ንሌዋታን ብመቚለብዶ ትስሕቦ? ንመልሓሱ ብገመድ ትኣስሮዶ ኢኻ?
26 ናብ ኣፍንጫኡ ሰንቀዶ ተእትወሉ፡ ንምንጋጋኡኸ ብእሾዂዶ ተንኲሎ ኢኻ?
27 ብዙሕ ልማኖዶ ይልምነካ፡ ወይስ ብጥዑም ዘረባዶ ይዛረበካ እዩ?
28 ንሓዋሩ ባርያኻ ኽትገብሮስ፡ ምሳኻዶ ኺዳን ይኣቱ እዩ?
29 ከም ዑፍዶ መጻወቲ ትገብሮ ኢኻ? ወይስ ኣዋልድካ ምእንቲ ኺስሐቓሉዶ ትኣስሮ ኢኻ?
30 ነጋዶ ይነግድዎ ድዮም? ኣብ ሞንጎ ሸቓጦኸ ይመቕልዎ ድዮም?
31 ንቘርበቱ ብዂናት፡ ንርእሱ ኸኣ ብመቓጥን ዓሳዶ ትመልኦ ኢኻ?
32 እሲኪ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር፡ ነቲ ሰልፊ ኽትዝክሮ እሞ መሊስካ ኣይክትደግሞን ኢኻ።

1 እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ።
2 ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ?
3 እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ? ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ።
4 ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ።
5 ንጌጽ ክዳኑ ዚቐልዖ መን እዩ? ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱ?
6 ንመዓጹ ገጹ ዚኸፍት መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት ኣሎ።
7 እቶም ብርቱዓት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፡ ከም ብጸቢብ ማሕተም እተጋጠሙ እዮም፡
8 ንሓድሕዱ ተላጊቡ እዩ፡ ብመንጎኡ ንፋስ ኣይኣቱን።
9 እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፡ ንሓድሕዶም ይተሓሐዙ ኣይፋላለዩንውን እዮም።
10 እንጥሾኡ ብርሃን የንጸባርቕ፡ ኣዒንቱ ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ እዩ።
11 ካብ ኣፋ ፋና ይወጽእ፡ ካብኡ ኸኣ ቊልዒ ሓዊ ይነጥር።
12 ከም ካብ ዚገርር ድስትን ቊራዕን ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ።
13 ብእስትንፋሱ ንሕመት የንድዶ፡ ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ።
14 ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሐድር፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍርሃት ይሰራሰር።
15 ክፍልታት ስጋኡ ግጡም እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽኑዕ፡ ከቶ ዝይነቓነቕ እዩ።
16 ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፡ ከም እምኒ መጥሓን ከኣ ጽኑዕ እዩ።
17 ንሱ እንተ ተንስኤ፡ ጀጋኑ ይሽበሩ፡ ብሰሪ ፍርሃትሲ ልቦም ይጠፍኦም።
18 ሰይፊ እንተ ወቕዖ፡ ኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ።
19 ንሱ ንሓጺን ከም ሓሰር፡ ነስራዚውን ከም በዂባዂ ዕጨይቲ ይቘጽሮ።
20 ፍላጻ ኣየህድሞን፡ እምኒ ወንጭፍን ከም ብርዒ ይዀኖ።
21 ንጐመድ ከም ብርዒ እዩ ዚቘጽሮ፡ ንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ።
22 ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት ኣለዎ፡ ኣብ ጭቃ ኸኣ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሐድፍ።
23 ንሱ ንመዓሙቚ ከም ድስቲ የፍልሖ፡ ንባሕሪ ድማ ከም ቊራዕ ቅዲት ይገብሮ።
24 ደድሕሪኡ እቲ መገዲ ይበርህ፡ እቲ መዓሙቚውን ሽበት ይመስል።
25 ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዚኸውን ከቶ ኣይርከብን።
26 ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ። ንብዘለው ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ።

 

1 ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡
2 ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
3 ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ፧ ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ።
4 ክዛረበካስ ስምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ኽጥይቐካ፡ ንስኻውን ምሀረኒ።
5 ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ።
6 ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን ኣሎኹ፡ ኣብ ሓመድን ሓመዂስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣሎኹ።
7 እግዚኣብሄር ንእዮብ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንኤሌፋዝ ቴማናዊ በሎ፡ ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም፡ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኲራይ ተቓጺሉ እዩ።
8 ሕጂ ኸኣ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ። እዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፡ ንእኡ ክቕበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅንዕና ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዚግባእ ኣይክገብርን እየ።
9 ሽዑ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ተቐበሎ።
10 እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየ፡ እግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ።
11 ኲሎም ኣሕዋቱን ኲላተን ኣሓቱን ብዘለው እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጌራ በልዑ፡ ስለቲ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ ዂሉ መከራታት ከኣ ሐዘኑሉን ጸናንዕዎን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ሐሓንቲ ብሩርን ቀቀለቤት ወርቅን ሀብዎ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ በጊዕ፡ ሹድሽተ ሽሕ ገመል፡ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሽሕ ከኣ ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ።
13 ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ነበርዎ።
14 ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፡ ነታ ኻልኣይቲ ቅጺዓ፡ ነታ ሳልሰይቲ ቄርንሃጱኽ ኢሉ ሰመየን።
15 ኣብ ኲላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣዋልድ እዮብ ዝበላ መልክዔኛታት ኣይነበራን። ኣቦኤን ድማ ርስቲ ምስቶም ኣሕዋተን ኣውረሰን።
16 ድሕሪዚ ድማ እዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ጸንሔ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረኣየ።
17 ድሕሪዚ እዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ። ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...