ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ዜና መዋዕል ቀዳማዊ 1 (1 Chronicles)

ዜና መዋእል ናይ መወዳእታ መጽሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ እዩ፣ እዚ መጽሓፍ እዚ ሳልሳይ ክፋል እቲ ታናኽ ኣይሁድ ዝዀነ ኬቱቪም እዩ። ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ብ539 ቅ. ክ. እቲ ደራሲ ኣብ ከባቢ 430 ቅ. .C. ንጉስ ዳዊትን ሰሎሞንን ነቲ ኻብ 1000 ክሳዕ 960 ቅ..C ክ. ድሕሪ ምርኮ እተጻሕፈትሉ ቐንዲ ምኽንያት ነቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝወጹ ተረፍ ንምድራኽ እዩ ነይሩ ።

መጽሐፈ ዜና መዋዕል-ቀዳማዊ 1 (1 Chronicles)

1 ኣዳም፡ ሴት፡ ኤኖሽ።
2 ቀይናን፡ ማሃላልኤል፡ ያሬድ።
3 ሄኖክ፡ ማቱሳላ፡ ላሜክ።
4 ኖህ፡ ሴም፡ ካም፡ ያፌትውን።
5 ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን መሴክን ቲራስን።
6 ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽክናዝን ዲፋትን ቶጋርማን።
7 ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ታርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን።
8 ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራዪምን ጱጥን ከነኣንን።
9 ደቂ ኩሽ ከኣ፡ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብትካን። ደቂ ራዕማ ድማ፡ ሼባን ዴዳንን።
10 ኩሽ ከኣ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን ጀመረ።
11 ሚስራዪም ከኣ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን፡
12 ንጳትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን ወለደ።
13 ከነኣን ድማ ንሲዶን በዂሪ ወዱን ንሔትን፡
14 ንይብሳውያንን ንኣሞራውያንን ንገርጌሳውያንን፡
15 ንሃዋውያንን ንዓርቃውያንን ንሲናውያንን፡
16 ንኣርዋዳውያንን ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ።
17 ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሶርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን ኡጽን ሑልን ጌተርን ሜስክን።
18 ኣርፋክሳድ ከኣ ንሻላሕ ወለደ፡ ሻላሕውን ንዔበር ወለደ።
19 ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ፡ ስም እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተመቕለት፡ ፋሌግ ተባህለ፡ ስም ሓው ኸኣ ዮቅጣን እዩ።
20 ዮቅጣን ድማ ንኣልማዳድን ንሻሌፍን ንሓጻርማዌትን ንያሕን፡
21 ንሃዶራምን ንዑዛልን ንዲቅላን፡
22 ንዔላልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡
23 ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም።
24 ሴም፡ ኣርፋክሳድ፡ ሻላሕ፡
25 ዔበር፡ ፋሌግ፡ ራጉ፡
26 ሰሩግ፡ ናሆር፡ ታራ፡
27 ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ።
28 ደቂ ኣብርሃም፡ ይስሃቅን እስራኤልን።
29 ወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዂሪ እስማኤል ነባዮት፡ ደሓር ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡
30 ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሓዳድን ቴማን፡
31 የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም።
32 ደቂ ቄጡራ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣብራሃም ድማ፡ ንሳ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንመዳንን ንሚድያንን ንዪሽባቅን ንሿን ወለደት። ደቂ ዮቅሻን ከኣ፡ ሼባን ዴዳንን።
33 ደቂ ምድያን ድማ፡ ዔፋን ዔፈርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ቄጡራ እዮም።
34 ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወለደ። ደቂ ይስሃቅ ድማ፡ ኤሳውን እስራኤልን።
35 ደቂ ኤሳው፡ ኤሊፋዝን ረጉኤልን የኡሽን ያዕላምን ቆራሕን።
36 ደቂ ኤሊፋዝ፡ ቴማንን ኦማርን ጸፊን ጋዕታማን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን።
37 ደቂ ረጉኤል፡ ናሓት፡ ዜራሕ፡ ሻማ፡ ሚዛ ድማ።
38 ደቂ ሴዒር ከኣ፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን።
39 ደቂ ሎጣን ድማ፡ ሖሪን ሆማምን፡ ሓብቲ ሎጣን ከኣ ቲምና እያ።
40 ደቂ ሾብል፡ ዓልያንን ማናሓትን ዔባልን ሸፊን ዖናምን። ደቂ ጺብዖን ድማ፡ ኣያንዓናን።
41 ደቂ ዓና፡ ዲሾን። ደቂ ዲሾን ከኣ፡ ሓምራንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን እዮም።
42 ደቂ ኤጸር፡ ቢልሓንን ዛዓዋንን ያዓቃንን። ደቂ ዲሻን፡ ዑጽን ኣራንን።
43 እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ቅድሚ ዝነገሱ ነገስታት ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ቤላ ወዲ ቤዖር፡ ስም ከተምኡ ድማ ዲንሃባ ነበረ።
44 ቤላ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ነገሰ።
45 ዮባብ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሑሻም ካብ ሃገር ቴማናውያን ነገሰ።
46 ሑሻም ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዐረ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ኸኣ ዓዊት ነበረ።
47 ሃዳድ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ነገሰ።
48 ሳምላ ድማ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ርባ ዘላ ሬሖቦት ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
49 ሻኡል ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ በዓል-ሓናን ወዲ ዓክቦር ነገሰ።
50 በዓል-ሓናን ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሃዳድ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ድማ ጳዒ ነበረ፡ ስም ሰበይቱውን ምሄጣብኤል፡ ጓል ማጥሬድ፡ ጓል ሜ-ዛሃብ እያ።
51 ሃዳድ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብ ኤዶም ሹማምቲ ዀኑ፡ ሹም ቲምና፡ ሹም ዓልያ፡ ሹምየቴት፡
52 ሹም ኦሆሊባም፡ ሹም ኤላ፡ ሹም ጲኖን፡
53 ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡
54 ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤዶም እዮም።

1 ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፡ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን፡
2 ዳንን ዮሴፍን ብንያምን ንፍታሌምን ጋድን፡ ኣሴር ከኣ።
3 ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሼላን፡ ሰለስቲኦም ካብ እታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም። ዔር እቲ በዂሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ ቀተሎ ኸኣ።
4 ታማር እታ ሰበይቲ ወዱ ድማ ንፋሬስን ዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ ዂሎም ሓሙሽተ እዮም።
5 ደቂ ፋሬስ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም።
6 ደቂ ዜራሕ ድማ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን፡ ኲሎም ሓሙሽተ እዮም።
7 ደቂ ካርሚ ኸኣ፡ ዓካር፡ እቲ ብሕሩም ነገር በዲሉ ንእስራኤል ዘጒሀዮ።
8 ደቂ ኤታን ድማ፡ ዓዛርያ።
9 እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ ኸኣ የራሕምኤልን ራምን ከሉባይን እዮም።
10 ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ከኣ ንነኣሶን ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ።
11 ነኣሶን ድማ ንሳልማ ወለደ፡ ሳልማ ኸኣ ንቦኣዝ ወለደ።
12 ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ።
13 እሴይ ድማ ንበዂሪ ወዱ ኤልያብ፡ ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ፡ ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ፡
14 ራብዓይ ናትናኤል፡ ሓምሳይ ራዳይ፡
15 ሳድሳይ ኦጼም፡ ሳብዓይ ዳዊት ወለደ።
16 ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን ነበራ። ደቂ ጽሩያ ድማ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳሄልን ሰለስተ እዮም።
17 ኣቢጋይል ከኣ ንዓማሳ ወለደት፡ ኣቦ ዓምሳ ድማ የተር እተባህለ እስማኤላዊ ነበረ።
18 ካልብ ወዲ ሔጽሮን ከኣ፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱ ካብ የሪዖትን ወለደ። ደቃ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ የሽርን ሾባብን ኣርዶንን።
19 ዓዙባ ምስ ሞተት ከኣ፡ ካሌብ ንኤፍራት ኣእተዋ እሞ ንሑር ወለደትሉ።
20 ሑር ድማ ንኡሪ ወለደ፡ ኡሪ ኸኣ ንበጻልኤል ወለደ።
21 ደሓር ድማ ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ኣተወ። ንሱ ወዲ ስሳ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣእተዋ እሞ፡ ንሴጉብ ወለደትሉ።
22 ሴጉብ ድማ ንያኢር ወለደ። ንእኡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዕስራን ሰለስተን ከትማ ነበራኦ።
23 ጌሹርን ኣራምን ነተን ከተማታት ያኢር ምስ ቄናትን ቚሻታን ስሳ ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ነበሩ።
24 ሔጽሮን ኣብ ካሌብ-ኤፍራታ ምስ ሞተ ድማ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ወለደትሉ።
25 ደቂ የራሕምኤል፡ በዂሪ ወዱ ንሔጽሮን፡ ድማ እቲ በዂሩ ራም፡ ቡናን ኦሬንን ኣጾምን ኣሕያን እዮም።
26 የራሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ነበረቶ፡ ንሳ ኣደ ኦናም እያ።
27 ደቂ ራም በዂሪ የራሕምኤል ከኣ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም።
28 ደቂ ኦናምውን፡ ሻማይን ያዳዕን፡ ደቂ ሻማይ ድማ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም።
29 ስም ሰበይቲ ኣቢሹርን ከኣ ኣቢሓያል እዩ፡ ንሳ ድማ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ።
30 ደቂ ናዳብ ከኣ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ውሉድ ዜብሉ ሞተ።
31 ደቂ ኣጳይም ድማ፡ ዪሽዒ። ደቂ ዪሽዒውን፡ ሸሻን። ደቅ ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ።
32 ደቂ ያዳዕ፡ ሓው ሻማይ ድማ፡ የተርን ዮናታንን። የተር ከኣ ውሉድ ዜብሉ ሞተ።
33 ደቂ ዮናታን ድማ፡ ጰለትን ዛዛን። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም።
34 ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳትሲ ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ።
35 ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሀቦ። ንሳ ኸኣ ዓታይ ወለደትሉ።
36 ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ። ናታን ከኣ ንዛባድ ወለደ።
37 ዛባድ ድማ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ከኣ ንዖቤድ ወለደ።
38 ዖቤድ ድማ ንየሁ ወለደ። የሁ ኸኣ ንኣዛርያ ወለደ።
39 ኣዛርያ ድማ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ከኣ ንኤልዓሳ ወለደ።
40 ኤልዓሳ ድማ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ከኣ ንሻሉም ወለደ።
41 ሻሉም ድማ ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ኸኣ ንኤልሻማ ወለደ።
42 ደቂ ካሌብ ሓው የራሕምኤል ከኣ፡ በዂሪ ወዱ ሜሻ፡ ንሱ ኣቦ ዚፍ፡ ደቂ ማሬሻንውን ኣቦ ሔብሮን።
43 ደቂ ሔብሮን ድማ፡ ቆራሕን ታጱኣሕን ሬቄምን ሸማዕን።
44 ሸማዕ ከኣ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቄም ድማ ንሻማይ ወለደ።
45 ወዲ ሻማይ ከኣ ማዖን እዩ፡ ማዖን ድማ ኣቦ ቤት-ጹር እዩ። ን
46 ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞጻን ጋዜዝን ወለደት። ሓራን ከኣ ንጋዜዝ ወለደ።
47 ደቂ የህዳይ ድማ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ፈለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም።
48 ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት።
49 ንሸዓፍ ኣቦ ማድማናን ንሼባ ኣቦ ማክቤናን ኣቦ ጊብዓን ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ ድማ ዓክሳ እያ።
50 ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፡ ወዲ ሑር፡ በዂሪ ወዳ ንኤፍራታ፡ ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም፡
51 ሳልማ ኣቦ ቤት-ልሄም፡ ሓሬፍ ኣቦ ቤት-ጋደር።
52 ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ሃሮኤ ፈረቓ ሜኑሖት።
53 ዓሌታት ቂርያት-የዓሪም ድማ፡ ይትራውያንን ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ካብ እዚኣቶም ጾርዓታውያንን ኤሽታኡላውያንን ወጹ።
54 ደቂ ሳልማ፡ ቤት-ልሄምን ነጦፋታውያንን ዓጥሮት-ቤት-ዮኣብን ፈረቓ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም።
55 እቶም ኣብ ያዕቤድ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ጸሓፍቲ ድማ ቲርዓታውያን፡ ሺምዓታውያን፡ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፡ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝመጹ ቂናውያን እዮም።

 

1 እቶም ኣብ ሔብሮን እተወልዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኻብ ኣሒኖዓም ይዝርኤላዊት እተወልደ በዂሩ ኣምኖን፡ ካልኣይ ዳኒኤል ካብ ኣቢጋይል ቀርሜሎሳዊት፡
2 ሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ ማዓካ፡ ጓል ታልማይ ንጉስ ገሹር፡ ራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት፡
3 ሓምሳይ ሸፋጥያ ኻብ ኣቢጣል፡ ሳድሳይ ዪትረዓም ካብ ዔግላ ሰበይቱ።
4 ሹድሽቲኦም ኣብ ሔብሮን ተወልዱሉ። ኣብኣ ኸኣ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
5 ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚኣቶም ተወልዱሉ፡ ሺምዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡ ኣርባዕቲኦም ካብ ባት-ሸዓ፡ ጓል ዓሚኤል።
6 ድማ ዮብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን፡
7 ኖጋዕን ነፈግን ያፊዓን፡
8 ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን፡ ትሽዓተ።
9 እዚኣቶም ኲሎም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰን፡ ደቂ ዳዊት እዮም። ታማር ከኣ ሓብቶም እያ።
10 ወዲ ሰሎሞን ከኣ ሮብዓም እዩ፡ ኣብያ ወዱ፡ ኣሳ ወዱ፡ ዮሳፋጥ ወዱ፡
11 ዮራም ወዱ፡ ኣሓዝያ ወዱ፡ ዮኣስ ወዱ፡
12 ኣማስያ ወዱ፡ ኣዛርያ ወዱ፡ ዮታም ወዱ፡
13 ኣሃዝ ወዱ፡ ህዝቅያስ ወዱ፡ ምናሴ ወዱ፡
14 ኣሞን ወዱ፡ ዮስያስ ወዱ፡
15 ደቂ ዮስያስ ድማ፡ እቲ በዂሪ ዮሓናን፡ ካልኣይ ዮያቂም፡ ሳልሳይ ጼዴቅያስ፡ ራብዓይ ሻሉም።
16 ደቂ ዮያቂም ከኣ፡ የኮንያ ወዱ፡ ጼዴቅያስ ወዱ።
17 ደቂ የኮንያ እቲ እሱር ድማ፡ ወዱ ሰኣልቲኤልን፡
18 ማልኪራምን ፈዳያን ሸናጸርን የቃምያን ሖሻማዕን ነዳብያን።
19 ደቂ ፈዳያ ኸኣ፡ ዘሩባቤልን ሺምዒን። ደቂ ዘሩባቤል ድማ፡ መሸላምን ሓናንያ ሽሎሚት ሓብቶምን፡
20 ሓሹባን ኦሄልን በረክያን ሓሳድያን ዩሻብ-ሔሰድን፡ ሓሙሽተ እዮም።
21 ደቂ ሓናንያ ኸአ፡ ጶላጥያን የሻዕያን፡ ደቂ ረፋያ፡ ደቂ ኣርናን፡ ደቂ ዖባድያ፡ ደቂ ሽካንያ።
22 ደቂ ሽካንያ ድማ፡ ሸማዕያ። ደቂ ሸማዕያውን፡ ሓጡሽን ይግኣልን ባርያሕን ነዓርያን ሻፋጥን፡ ሹድሽተ።
23 ደቂ ነዓርያ ኸኣ፡ ኤልዮዔናይን ሕዝቅያን ዓዝራቃምን፡ ሰለስተ።
24 ደቂ ኤልዮዔናይ ድማ፡ ሆዳይዋን ኤልያሺብን ፈላያን ዓቁብን ዮሓናንን ደላያን ዓናኒን፡ ሾብዓተ።

1 ደቂ ይሁዳ፡ ፌሬስን ሔጽሮን ካርሚን ሑርን ሾባልን።
2 ረኣያ ወዲ ሾባል ድማ ንያሓት ወለደ። ያሓት ከኣ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ድማ ጾርዓትውያን እዮም።
3 ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም። ይዝርኤልን ይሽማን፡ ስም ሓብቶም ከኣ ሀጽለልጶኒ እዩ፡
4 ፈኑኤል ኣቦ ገዶርን ዔዝር ኣቦ ሑሻን፡ እዚኣቶም ደቂ ሑር በዂሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤት-ልሄም፡ እዮም።
5 ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዚብሀላ ነበራኦ።
6 ናዓራ ኸኣ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታርን ወለደትሉ፡ እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም።
7 ደቂ ሔልኣ ድማ፡ ጸረትን ይጽሓርን ኤትናንን።
8 ቆጽ ከኣ ንዓኑብን ንሃጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ።
9 ያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ።
10 ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ እንተ ትባርኸኒ፡ ዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
11 ኬሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፡ ንሱ ኣቦ ኤሽቶን እዩ።
12 ኤሽቶን ከኣ ንቤት-ራፋን ንጳሴዓን ንትሒና ኣቦ ዔር-ናሓስን ወለደ፡ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።
13 ደቂ ቄናዝ ድማ፡ ዖትኒኤልን ሰራያን። ደቂ ዖትኒኤል ከኣ፡ ሓታት።
14 መዖኖታይ ድማ ንዖፍራ ወለደ። ሰራያ ኸኣ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ጸራቦ ዝነበሩ ንዮኣብ ወለደ፡ ንሳቶም ጸራቦ እዮም ዝነበሩ።
15 ደቂ ካሌብ ወዲ የፋኔ ድማ፡ ዒሩን ኤላን ናዓምን። ደቂ ኤላን ቄናዝን።
16 ደቂ የሃለልኤል ከኣ፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን።
17 ደቂ እዝራ ድማ፡ የተርን መረድን ዔፈርን ያሎንን እዮም። ንሳ ኸኣ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ወለደት።
18 እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ድማ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ሻኖዓን ወለደት። እዚኣቶም ከኣ ደቂ እታ መረድ ዘእተዋ ቢትያ ጓል ፈርኦን እዮም።
19 ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ነሓም ከኣ ኣቦ ቅዒላ ጋርማውን ኤሽተሞዓ መዓካታውን እዮም።
20 ደቂ ሺሞን ድማ፡ ኣምኖንን ሪናን ቤንሓናንን ቲሎንን። ደቂ ዪሽዒ ኸኣ፡ ዞሔትን ቤን-ዞሔትን።
21 ደቂ ሼላ ወዲ ይሁዳ፡ ዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማሬሻን ዓሌታት ቤት ዓየይቲ ልሕጺ እንጣጢዕ ካብ ቤት ኣዓቤዓን፡
22 ዮቂምን ሰብ ኮዜባን፡ እቶም ኣብ ሞኣብ ዚግዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን፡ ያሹቢ-ለሔም ከኣ። እዚ ግና ናይ ቀደም ዛንታ እዩ።
23 እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዚነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ፡ ምስ ንጉስ ኣብ ዕዮኡ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።
24 ደቂ ስምኦን፡ ነሙኤል፡ ያሚን ከኣ፡ ያሪብ፡ ዜራሕ፡ ሻኡል፡
25 ሻሉም ወዲ፡ ሚብሳም ወዱ፡ ሚሽማዕ ወዱ።
26 ደቂ ሚሽማዕውን፡ ሓሙኤል ወዱ፡ ዛኩር ወዱ፡ ሺምዓ ወዱ።
27 ሺምዒ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ኣወዳትን ሹድሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሕ ውሉድ ኣይነበርዎምን፡ ብዘሎ ዓሌቶም ከኣ ክንዲ ደቂ ይሁዳ ኣይሰሰነን።
28 ንሳቶም ኣብ ብኤር-ሸባዕን ሞላዳን ሓጻር-ሹዕልን፡
29 ኣብ ቢልሃን ኣብ ዔጸምን ኣብ ቶላድን፡
30 ኣብ ቤቱኤልን ኣብ ሖርማን ኣብ ጺቅላ ግን፡
31 ኣብ ቤት-ማርካቦትን ኣብ ሓጸር-ሱሲምን ኣብ ቤት-ብርኢን ኣብ ሸዓራይን ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክስዕ ዚነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ።
32 ዓድታቶም ድማ ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንን፡ ሓሙሽተ ኸተማ፡
33 እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓል ዘለዋ ዂለን ዓድታቶም እየን። ዚነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን። መጽሓፍ ወለዶኦም ከኣ ነበሮም።
34 መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን፡
35 ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ፡ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ዓሲኤልን፡
36 ኤልዮዔናይን ያዓቆባን ይሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን ብናያን፡
37 ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፡ ወዲ ኣሎን፡ ወዲ የዳያ፡ ወዲ ሺምሪኢ፡ ወዲ ሸማዕያ።
38 እዞም ብስሞም እተረቑሑ ኣብ ዐዓሌቶም ሹማምቲ ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ በዚሖም ተዘርግሑ።
39 ንመጓሴኦም መጓሰዪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ በቲ ንጌዶር ዜእቱ ኣቢሎም፡ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ።
40 መጓሰዪ ኸኣ ልምልምትን ጽብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እቶም ቀደም ኣብኣ ዚቕመጢ ዝነበሩ ኻብ ካም ነበሩ እሞ፡ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ሃገር ነበረት።
41 እዞም በብስሞም እተጻሕፉ ኸኣ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ናብ ድንኳውንቶም ሓደጋ ወደቕዎም። ኣብኡ ንተረኽቡ መዓናውያን ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣጽነትዎም። ኣብኣ ንመጓሴኦም ዚኸውን መጓሰዪ ነበረ እሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ተቐመጥዋ።
42 ገለ ኻባታቶም ድማ፡ ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ከረን ሰዔር ከዱ፡ ሓላቑኦም ከኣ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን እዮም።
43 ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ትርፎፍያ ቐቲሎም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው።

1 ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል ድማ፡- እቲ በዂሪ ንሱ ነበረ፡ መንጸፍ ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ ግና፡ እታ ብዂርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተዋህበት፡ ግናኸ ኣብ መጽሓፍ ወለዶስ ከም በዂሪ ኣይተጻሕፈን።
2 ይሁዳ ደኣ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ሰልጠነ፡ እቲ መስፍን ከኣ ካብኡ መጸ፡ ብዂርና ግና ናይ ዮሴፍ ነበረ።-
3 ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን።
4 ደቂ ዮኤል፡ ሸማዕያ ወዱ፡ ጎግ ወዱ፡ ሺማዒ ወዳ
5 ሚካ ወዱ፡ ረኣያ ወዱ፡ ባዓል ወዱ፡
6 ብኤራ ወዱ፡ እቲ ቲልጋት-ጲልንኤሰርር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፡ ንሱ ሹም ሮቤላውያን ነበረ።
7 ኣሕዋቱ ድማ በብዓሌታቶም ወለዶታቶም ምስ ተጻሕፈ፡ የዒኤል እቲ ሓለቓን ዘካርያስን፡
8 ድማ ቤላዕ ወዲ ዓዛዝ፡ ወዲ ሸማዕ፡ ወዲ ዮኤል፡ ንሱ ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ኔቦን በዓል-መዖንን ተቐመጠ።
9 መጓሴታቶም ኣብ ሃገር ጊልዓድ በዚሔን ነበራ እሞ፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ካብ ርባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዜእቱ ይቕመጥ ነበረ።
10 ብዘመን ሳኦል ምስ ሃግራውያን ተዋግኡ ኣብ ኢዶም ድማ ወደቑ፡ ኣብ ብዘሎ ምብራቕ ጊልዓድ ከኣ ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ።
11 ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንጽሮም ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልኮ ተቐመጡ፡
12 ዮኤል ሓለቓ፡ ሻፋም ከኣ ካልኣይ፡ ያዕናያን ሻፋጥን ድማ ኣብ ባሳን።
13 ኣሕዋቶም ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሚካኤልን መሹላምን ሸባዕን ዮራይን ያዕካንን ዚዓን ዔበርን፡ ሾብዓተ እዮም።
14 እዚኣቶም ደቂ ኣቢሓይል፡ ወዲ ሑሪ፡ ወዲ ያሮዓሕ፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ የሺሻይ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ቡዝ እዮም።
15 ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፡ ወዲ ጉኒ፡ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ።
16 ንሳቶም ኣብ ጊልዓድን ኣብ ባሳንን ኣብ ኣቚሻታን ኣብ ኲሉ መጓሰዪታት ሳሮን ክሳዕ ወሳሰና ይቕመጡ ነበሩ።
17 ኲላቶም ብዘመን ዮታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፎም።
18 ደቂ ሮቤል ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፡ ዋልታን ሴፍን ዜልዕሉ፡ ቀስቲ ኸኣ ዚግትሩ ምሁራት ውግእ፡ ኣብ ውግእ ዚወጹ ሰባት ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ።
19 ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ።
20 ረድኤት ከኣ ረኸቡ፡ ሃግራውያንን እቶም ምሳታቶም ዝነበሩ ዂሎምን ከኣ ኣብ ኣእዳዎም ተዋህቡ። በታ ጊዜ ውግእ ናብ ኣምላኽ ተማህለሉ እሞ፡ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ኸኣ ሰምዖም።
21 መጓሴታቶም ድማ ዘመቱ፡ ሓምሳ ሽሕ ገመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣድግን ሚእቲ ሽሕ ነፍሲ ሰብን ወሰዱ።
22 እቲ ውግእ ካብ ኣምላኽ ነበረ እሞ፡ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። ድሕርዚ ኸኣ እዚኣቶም፡ ክሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
23 ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ይቕመጡ ነበሩ፡ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓል-ሔርሞንን ሰኒርን ከረን ሔርሞንን በዝሑ።
24 ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ፡ እዚኣቶም እዮም፡ ዔፈርን ይሽዒን ኤሊኤልን ዓዝሪኤልን የርሚያን ሆዳውያን ያሕዲኤልን፡ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፡ ስሙያት ሰባት፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።
25 ንኣምላኽ ኣቦታቶም ዐልዮም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኦም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር መንዘሩ።
26 ኣምላኽ እስራኤል ድማ መንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶርን መንፈስ ቲልጋት-ጲልነሰር ንጉስ ኣሶርን ኣተንሲኡ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፡ ክሳዕ ሎሚ ናብ ሓላሕን ናብ ሓባርን ናብ ሃራእን ናብ ርባ ጎዛንን ኣእተዎም።

 

1 ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን።
2 ደቂ ቀሃት ድማ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን።
3 ደቂ ኣምራም ከኣ፡ ኣሮንን ሙሴን ሚርያምን። ደቂ ኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን።
4 ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ።
5 ኣቢሹዓ ኸኣ ንቡቂ ወለደ። ቡቂ ድማ ንዑዚ ወለደ።
6 ዑዚ ኸኣ ንዜራሕያ ወለደ። ዜራሕያ ድማ ንመራዮት ወለደ።
7 መራዮት ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ኸኣ ንኣሒጡብ ወለደ።
8 ኣሒጡብ ድማ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ከኣ ንኣሒማዓጽ ወለደ።
9 ኣሒማዓጽ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ኸኣ ንዮሓናን ወለደ።
10 ዮሓናን ድማ ንኣዛርያ ወለደ፡ ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሰርሓ ቤትስ ካህን ዝነበረ እዩ።
11 ኣዛርያ ኸኣ ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ድማ ንኣሒጡብ ወለደ።
12 ኣሒጡብ ከኣ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ድማ ንሻሉም ወለደ።
13 ሻሉም ከኣ ንሒልቂያ ወለደ። ሒልቂያ ድማ ንኣዛርያ ወለደ።
14 ኣዛርያ ኸኣ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ድማ ንይሆጻዳቅ ወለደ።
15 ይሆጻዳቅ ከኣ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ብኢድ ነቡካድነጸር ኪማርኽን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ።
16 ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን።
17 ስም ደቂ ገርሾም ድማ እዚ እዮ፡ ሊብኒን ሽምዒን።
18 ደቂ ቀሃት ከኣ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን።
19 ደቂ መራሪ፡ መሕሊን ሙሺን። ዓሌታት ሌዋውያን ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡
20 ካብ ጌርሾም፡ ሊብኒ ወዱ፡ ያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡
21 ዮኣሕ ወዱ፡ ዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ ይኣትራይ ወዱ።
22 ደቂ ቀሃት፡ ኣሚናዳብ ወዱ፡ ቆራሕ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡
23 ኤልቃና ወዱ፡ ኤብያሳፍ ድማ ወዱ፡ ኣሲርውን ወዱ፡
24 ታሓት ወዱ፡ ኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ።
25 ደቂ ኤልቃና ኸኣ፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን።
26 ኤልቃና፡ ደቂ ኤልቃና፡ ጾፋይ ወዱ፡ ናሓት ወዱ፡
27 ኤልያብ ወዱ፡ ይሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና ወዱ።
28 ደቂ ሳሙኤል ድማ፡ እቲ በኸሪ ዋሽኒ፡ ኣብያ ኸኣ።
29 ደቂ መራሪ፡ ማሕሊ፡ ሊብኒ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡
30 ሺምዓ ወዱ፡ ሓጊያ ወዱ፡ ዓስያ ወዱ።
31 እቲ ታቦት ምስ ዐረፈ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ኪዀኑ ዘቘሞም ድማ እዚኣቶም እዮም።
32 ንሳቶም፡ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚሰርሕ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ብመዝሙር የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ፡ ኣብ ኣኣገልግሎቶም ይቘሙ ነበሩ።
33 እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዚቘሙ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ሄማን ዘማሪ፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ሳሙኤል፡
34 ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ይሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ፡
35 ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ።
36 ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ኣዛርያ፡ ወዲ ጾፋንያ።።
37 ወዲ ጣሓት። ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡
38 ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል።
39 ብየማኑ ዝቘመ ኸኣ ሓው ኣሳፍ እዩ፡ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ፡
40 ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴይ፡ ወዲ ማልክያ፡
41 ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ፡
42 ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዘማ፡ ወዲ ሺምዒ፡
43 ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሻም፡ ወዲ ሌዊ።
44 ብጸጋም ድማ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪ። ኤታን ወዲ ቂሽ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ፡
45 ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማጽያ፡ ወዲ ሒልቂያ፡
46 ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሻመር፡
47 ወዲ ማሓሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ።
48 እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ተዋህቡ።
49 ኣሮንን ደቁን ግና ንዂሉ ኣገልግሎት ቅድስተ ቅዱሳንን ንምትዕራቕ እስራኤልን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ ኣማላኽ ዝኣዘዞ ዂሉ ገይሮም ኣብቲ መሰውኢ ምሕራርን ኣብ መሰውኢ ዕጣንን ይዐጥኑ ነበሩ።
50 ደቂ ኣሮን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣልኣዛር ወዱ፡ ፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡
51 በቂ ወዱ፡ ዑዚ ወዱ፡ ዘራሕያ ወዱ፡
52 መራዮት ወዱ፡ ኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ ወዱ፡
53 ጻዶቅ ወዱ፡ ኣሒማዓጽ ወዱ።
54 እቲ መቐመጢታቶም ከኣ በብሰፈሮም ኣብ ደዶባቶም እዚ እዩ፡ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጭ ንኣታቶም በጺሑ እዩ እሞ፡
55 ሔብሮን ናይ ሃገር ይሁዳን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኣቚሻታን ሀብዎም፡
56 ናይ እታ ኸተማ ግራሁን ዓድታተንን ግና ንካሌብ ወዲ የፋኔ ሀብዎ።
57 ንደቂ ኣሮን ድማ እተን ከተማታት መዕቈቢ ሀብዎም፡ ሔብሮን፡ ሊብና ኸኣ ምስ ኣቚሻታ፡ ያጢርን ኤሽተማዓ ምስ ኣቚሻታን፡
58 ሔለን ምስ ኣቚሻታ፡ ደቢር ምስ ኣቚሻታ፡
59 ዓሻን ድማ ምስ ኣቚሻታ፡ ቤት-ሸመሽ ከኣ ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም።
60 ካብ ነገድ ብንያምውን፡ ጌባዕ ምስ ኣቚሻታን ዓለመት ምስ ኣቚሻታን ዓናቶት ምስ ኣቚሻታን። ኲለን ከተማታቶም ከም ዓሌታቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት ነበራ።
61 ነቶም ዝተረፋ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፈረቓ እቲ ነገድ፡ ፈረቓ ምናሴ፡ ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ ሀብዎም።
62 ንደቂ ጌርሾም ከኣ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ዘለዋን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ሀብዎም።
63 ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጭ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ሀብዎም።
64 እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ እተን ከተማታት ምስ ኣቚሻተን ንሌዋውያን ሀብዎም።
65 ድማ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ስም ዘውጽኡለን ከተማታት ብዕጭ ሀብዎም።
66 ንገሊኦም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀሃት ከኣ ካብ ነገድ ኤፍሬም ናብ ምድሮም ከተማታት ነበራኦም።
67 ነተን ከተማታት መዕቈቢ ድማ ሀብዎም፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰኬም ምስ ኣቚሻታ፡ ገዘር ከኣ ምስ ኣቚሻታ፡
68 ዮቅመዓም ምስ ኣቚሻታን ቤት-ሖሮን ምስ ኣቚሻታን፡
69 ኣያሎን ምስ ኣቚሻታን ጋት-ሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡
70 ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀሃት፡ ዓኔር ምስ ኣቚሻታን ቢልዓም ምስ ኣቚሻታን።
71 ንደቂ ጌርሾም ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፡ ጎላን ኣብ ባሳን ዘላ ምስ ኣቚሻታን፡
72 ካብ ነገድ ይሳኮርውን፡ ቃዴስ ምስ ኣቚሻታ፡ ደብራት ምስ ኣቚሻታ፡
73 ራሞት ምስ ኣቚሻታን ዓኔም ምስ ኣቚሻታን፡
74 ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ማሻል ምስ ኣቚሻታን ዓብዶን ምስ ኣቚሻታን፡
75 ሑቆቅ ምስ ኣቚሻታን ሬሖብ ምስ ኣቚሻታን፡
76 ካብ ነገድ ንፋታሌም ከኣ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ዘላ ምስ ኣቚሻታን ሓሞን ምስ ኣቚሻታን ቂርያታይም ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም።
77 ነቶም ዝተረፉ፡ ንደቂ መራሪ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡ ታቦር ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም።
78 ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ በጸር ምስ ኣቚሻታን ያሕጻ ምስ ኣቚሻታን፡
79 ቀዴሞት ምስ ኣቚሻታን ያሕጺ ምስ ኣቚሻታን ሜፋዓትን ምስ ኣቚሻታን፡
80 ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራሞት ናይ ጊልዓድ ምስ ኣቚሻታን መሓናይም ምስ ኣቚሻታን፡
81 ሔስቦን ምስ ኣቚሻታን ያዕዜር ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም።

1 ደቂ ይሳኮር ድማ ቶላዕን ፋኣን ያሹብን ሺምሮንን፡ ኣርባዕተ እዮም።
2 ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ናይ ቶላ፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ በብወለዶኦም ሓያላት ጀጋኑ፡ ቊጽሮም ብዘመን ዳዊት ዕስራን ክልተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ።
3 ደቂ ዑዚ ድማ ይዝራሕያ፡ ደቂ ይዝራሕያ ኸኣ ሚካኤልን ዖባድያን ዮኤልን ይሺያን፡ ሓሙሽተ እዮም፡ ኲላቶም ድማ ሓላቑ ነበሩ።
4 ምስ እዚኣቶም ድማ በብወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ጭፍራታት ናይ ውግእ ሰራዊት ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ ሰብ ነበሩ፡ እምበኣርሲ ኣንስትን ቈላዑን ብዙሓት ነበርዎም።
5 ኣሕዋቶም ድማ ኣብ ኲሎም ዓሌታት ይሳኮር ሓያላት ጀጋኑ፡ ኲላቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ሰማንያን ሾብዓተን ሽሕ ነበሩ።
6 ደቂ ብንያም፡ ቤላዕን በከርን የዲዓኤልን፡ ሰለስተ እዮም።
7 ደቂ ቤላዕ ከኣ፡ ኤጽቦንን ዑዚን ዑዚኤልን ይሪሞትን ዒሪን፡ ሓሙሽተ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ነበሩ።
8 ደቂ በከር ከኣ፡ ዘሚራን ዮዓሽን ኤልዔዝርን ኤልዮዔናይን ዖምሪን ይሬሞትን ኣቢያን ዓናቶትን ዓለመትን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ በከር እዮም።
9 ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኰይኖም በብወለዶኦም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተቘጽሩ፡ ሓያላት ጀጋኑ ድማ ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
10 ደቂ የዲዓኤል ከኣ፡ ቢልሃን። ደቂ ቢልሃን ድማ፡ የዑሽን ብንያምን ኤሁድን ከነዓናን ዜታንን ታርሺሽን ኣሒሻሓርን።
11 እዚኣቶም ኲሎም ደቂ የዲዓኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ምስቲ ስራዊት ንውግእ ዚወጹ ዓሰርተው ሾብዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
12 ሹጲምን ሑጵምን ድማ ደቂ ዒር፡ ሑሽም ከኣ ደቂ ኣሔር እዮም።
13 ደቂ ንፍታሌም፡ ያሕጺኤልን ጉኒን የጸርን ሻሉምን፡ ደቂ ቢልሃ።
14 ደቂ ምናሴ ኣስሪኤል እዩ፡- እታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንማኪር ኣቦ ጊልዓድ ወለደት።
15 ማኪር ከኣ ማዓካ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ንሳ ሓብቲ ሑጲምን ሹጺምን እያ።-ስም እቲ ኻልኣይ ወዱ ድማ ጽሎፍሓድ እዩ። ጽሎሓድ ከኣ ኣዋልድ ነበራኦ።
16 ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ጶረሽ ኣውጽኣትሉ፡ ስም ሓው ድማ ሸረሽ፡ ደቁ ኸኣ ዑላምን ራቀምን እዮም።
17 ደቂ ዑላም ድማ በዳን። እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ እዮም።
18 ሓብቱ ሓሞለከት ከኣ ንኢሽሆድን ንኣቢዔዘርን ንማሕላን ወለደት።
19 ደቂ ሽሚዳዕ ድማ ኣሕያንን ሸከምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም።
20 ደቂ ኤፍሬም ከኣ፡ ሹተላሕን ቤረድ ወዱን ታሓት ወዱን ኤልዓዳ ወዱን ታሓት ወዱን፡
21 ዛባድ ወዱን ሹተላሕ ወዱን፡ ዔዘርን ኤልዓድን፡ ንሳቶም ከብቶም ኪዘምቱ ወሪዶም ነበሩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር እተወልዱ ሰብ ጋት ቀተልዎም።
22 ኣቦኦም ኤፍሬም ከኣ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ፡ ኣሕዋቱ ድማ ኬጸናንዕዎ መጹ።
23 ናብ ሰበይቱ ኸኣ ኣተወ፡ ጠነሰት ድማ፡ ወዱውን ወለደት፡ ኣብ ቤቱ መከራ ስለ ዝመጾ ኸኣ፡ ስሙ ብሪዓ ኣውጽኣሉ።
24 ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤት-ሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሔት።
25 ረፋሕ ወዱ ነበረ፡ ሬሸፍ ድማ። ቴላሕ ወዱ፡ ታሓን ወዱ፡
26 ላዕዳን ወዱ፡ ዓሚሁድ ወዱ፡ ኤሊሻማዕ ወዱ፡
27 ኔዊ ወዱ፡ እያሱ ወዱ።
28 ዝሐዝወንን እተቐመጥወንን ቤት-ኤልን ከተማታትን፡ ብምብራቕ ከኣ ናዓራን፡ ብምዕራብውን ጌዘር ምስ ከተማታታ፡ ሴከምን ከተማታትን ድማ ክሳዕ ጋዛን ከተማታትን።
29 ብዶብ ደቂ ምናሴ ኸኣ ቤት-ሸኣንን ከተማታታን፡ ታዕናክን ከተማታታን፡ መጊዶን ከተማታትን፡ ዶርን ከተማታታን። ኣብ እዚኣተን ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተቐመጡ።
30 ደቂ ኣሴር፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን ብሪዓን ሓብቶም ሰራሕን።
31 ደቂ ብሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን፡ ንሱ ኣቦ ቢርዛዊት እዩ።
32 ሔበር ድማ ንያፍሌጥን ንሻመርን ንሖታምን ንሓብቶም ሾዓን ወለደ።
33 ደቂ ያፍሌጥ ድማ ጳሳክን ቢምሃልን ዓሽዋትን፡ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ እዮም።
34 ደቂ ሻመር ከኣ፡ ኣሒን ሮህጋን ሑባን ኣራምን።
35 ደቂ ሄላም ሓው ድማ፡ ጾፋሕን ይምናዕን ሼለሽን ዓማልን።
36 ደቂ ጾፋሕ፡ ሱሓን ሓርነፈርን ሹዓልን ቤሪን ዪምራን፡
37 በጸርን ሆድን ሻማን ሺልሻን ዪትራንን ብኤራን።
38 ደቂ የተር ከኣ፡ የፋነን ፊስጳን ኣራን።
39 ደቂ ዑላ ድማ፡ ኣራሕን ሓኒኤልን ሪጽያን።
40 እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣሴር፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሕሩያት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ሓላቑ ሹማምቲ ነበሩ። ቊጽሪ እቶም ኣብ ሰራዊት ወግእ ኪዀኑ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ድማ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ እዮም።

 

1 ብንያም ድማ ንቤላዕ በዂሩ ወለደ፡ ካልኣይ ኣሽቤል፡ ሳልሳይ ከኣ ኣሕራሕ፡
2 ራብዓይ ኖሓ፡ ሓምሳይ ድማ ራፋ።
3 ቤላዕ ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ኣዳርን ጌራን ኣቢሁድን፡
4 ኣቢሹዓን ናዓማንን ኣሖኣሕን፡
5 ጌራን ሸፋፋንን ሑራምን።
6 እዚኣቶም ደቂ ኤሑድ እዮም፡ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ጌባዕ እተቐመጡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት እዮም። ናብ ማናሓት ድማ ማረኽዎም።
7 ናዓማንን ኣሕያን ጌራን ከኣ፡ ንሱ ማረኾም፡ ንዑዛን ንኣሒሑድን ድማ ወለደ።
8 ሸሓራዪም ከኣ ነተን ኣንስቱ ሑሸምን ናዓራን ምስ ፈትሔን፡ ኣብ ሞኣብ ደቂ ወለደ።
9 ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸኣ ንዮባብን ንጺብያን ንሜሻን ንማልካምን፡
10 ንየዑጽን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ። እዚኣቶም ደቂ፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ።
11 ካብ ሒሺም ከኣ ንኣቢጡብን ንኤልጳዓልን ወለደ።
12 ደቂ ኤልጳዓል ድማ፡ ዔበርን ሚሽዓምን ሻመርን፡ ንሱ ንኦኖን ንሎድ ምስ ከተማታታን ዝሰርሔ እዩ።
13 ብሪዓን ሸማዕን ከኣ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ኣያሎን ዚቕመጡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ጋት ዚቕመጡ ሰጐጒዎም።
14 ኣሕዮን ሻሻቅን ያሬሞትን፡
15 ዘባድያን ዓራድን ዔደርን፡
16 ሚካኤልን ዪሽጳን ዮሓን ድማ ደቂ ብሪዓ እዮም።
17 ዘባድያን መሹላምን ሒዝቂን ሔበርን፡
18 ዪሽመራይን ዪዝሊያን ከኣ ደቂ ኤልጳዓል እዮም።
19 ያቂምን ዚክሪን ዛብዲን፡
20 ኤሊዔናይን ጺልታይን ኤሊኤልን፡
21 ዓዳያን በራያን ሺምራትን ድማ ደቂ ሽምዒ እዮም።
22 ይሽጳንን ዔበርን ኤሊኤልን፡
23 ዓብዶንን ዚክሪን ሓናንን፡
24 ሃናንያን ዔላምን ዓንቶቲያን፡
25 ዪፍድያን ጰኑኤልን ከኣ ደቂ ሻሻቅ እዮም።
26 ሻምሸራይን ሸሓርያን ዓታልያን፡
27 የዓረሸያን ኤሊያን ዚክሪን ድማ ደቂ የሮሓም እዮም።
28 እዚኣቶም ኣብ ወወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ሓላቑ ነበሩ፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።
29 ኣቦ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ፡ ስም እታ ሰበይቱ ኸኣ ማዓካ እዩ።
30 በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶን፡ ጹርን ቂስን በዓልን ናዳብን፡
31 ጌዶርን ኣሕዮን ዜክርን።
32 ሚቅሎት ከኣ ንሽምኣ ወለደ፡ እዚኣቶምውን ኣብ መንጽር እቶም ኣሕዋቶም፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣሕዋቶም ተቐመጡ።
33 ኔር ድማ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ከኣ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ድማ ንዮታንን ንመልኪሹዓን ንኣቢናዳብን ንኤሽባዓልን ወለደ።
34 ወዲ ዮናታን ከኣ መሪብ-ብዓል እዩ፡ መሪብ-ብዓል ድማ ንሚካ ወለደ።
35 ደቂ መካ ኸኣ፡ ጲቶንን መሌክን ታኣረዓን ኣሃዝን እዮም።
36 ኣሃዝ ድማ ንየሆዓዳ ወለደ፡ የሆዓዳ ኸኣ ንዓለመትን ንኣዝማዌትን ንዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ።
37 ሞጻ ድማ ንቢንዓ ወለደ፡ ራፋ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ።
38 ኣጼል ከኣ ሹድሽተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ስሞም ድማ እዚ እዩ፡ ዓዝራቃም፡ ቦክሩ፡ ኢስማኤል፡ ሼዓርያ፡ ዖባድያ፡ ሓናን፡ እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣጼል እዮም።
39 ደቂ ዔሼቅ ሓው ድማ፡ ኡላም በዂሪ፡ ካልኣይ የዑሽ፡ ሳልሳይ ከኣ ኤሊፈለጥ።
40 ደቂ ኡላምውን ተባዓት ተዋጋእቲ፡ ምግታር ቀስቲ ዚኽእሉ ሰባት ነበሩ። ብዙሓት ደቅን ደቂደቅን ድማ፡ ሚእትን ሓምሳን፡ ነበርዎም። እዚኣቶም ኲሎም ካብ ብንያም እዮም።

1 ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ መጽሓፍ ወለዶታት ተጻሕፈ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ተጽሒፎም እዮም። ይሁዳ ድማ ብሰሪ ኣበሳኦም ናብ ባቢሎን ተማረኹ።
2 እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማታቶምን ዚነብሩ ዝነበሩ ተቐማጦ ግና እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ኔቲኒምን እዮም።
3 ኣብ የሩሳሌም ከኣ ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ካብ ደቂ ኤፍሬምን ምናሴን ይቕመጡ ነበሩ፡
4 ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፡ ወዲ ዖምሪ፡ ወዲ ኢምሪ፡ ወዲ ባኒ፡ ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ።
5 ካብ ሲሎናውያን ድማ፡ ዓሳያ እቲ በዂርን ደቁን።
6 ካብ ደቂ ዜራሕ ከኣ፡ የጉኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፡፡ ሹድሽተ ሚእቲን ተስዓን።
7 ካብ ደቂ ብንያም ድማ፡ ሳሉ ወዱ መሹላም፡ ወዱ ሖዳውያ፡ ወዱ ሓዘኑኣ፡
8 ዪብነያ ወዲ የሮሓም ከኣ፡ ኤላ ወዱ ዑዚ፡ ወዲ ሚክሪ ድማ፡ መሹላም ወዱ ሸፋጥያ፡ ወዲ ሬጉኤል፡ ወዲ ዪብኒያ ኸኣ፡
9 ኣሕዋቶም ድማ ብወለዶታቶም ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሹድሽተን። ኲሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በቤት ኣቦታቶም እዮም።
10 ካብ ካህናት ድማ፡ የዳዕያን የሆያሪብን ያቂንን፡
11 ዓዛርያውን ወዲ ሒልቂያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ እቲ ራእሲ ቤት ኣማላኽ።
12 ዓዳያ ኸኣ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ፈሽሑር፡ ወዲ ማልኪያ፡ ማዕሳይ ድማ ወዲ ዓዲኤል፡ ወዲ ያሕዜራ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ መሺሌሚት፡ ወዲ ኢመር።
13 ኣሕዋቶም ከኣ እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን፡ ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ኣዝዮም ንፉዓት ዝነበሩ ሰባት።
14 ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ሸማዕያ ወዲ ሓሸብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ ኻብ ደቂ መራሪ፡
15 ባቅባቃርን ሔረስን ጋላልን ማታንያ ኸኣ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዚክሪ፡ ወዲ ኣሳፍ፡
16 ዖባድያ ድማ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ የዱቱን፡ በረክያ ኸኣ ወዲ ዓሳ፡ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋታውያን እተቐመጠ ኤልቃና።
17 ሓለውቲ ደገ ድማ፡ ሻሉምን ዓቁብን ጣልሞንን ኣሒማንን ኣሕዋቶምን። ሻሉም ሓለቓ ነበረ።
18 ንሳቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይጸንሑ ኣለው፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ሌዊ እዮም።
19 ሻሉም ከኣ ወዲ ቆሬ፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዘበሉ ኣሕዋቱ ቆራሓውያን ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፡ ኣቦታቶምውን ኣብቲ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ መእተዊ ነይሮም እዮም።
20 ቀደም ከኣ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ።
21 ዘካርያስ ወዲ መሸለምያ ሓላው ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ነበረ።
22 እዚኣቶም ኲሎም ኣብ ደጌታት ሓለውቲ ኪዀኑ እተሐርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ዐዓዶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጻሕፉ፡ ንኣታቶም ዳዊትን ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣቘምዎም።
23 ንሳቶምን ደቆምን ከኣ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣቢሄር፡ እቲ ናይ ድንኳን ቤት፡ ሓለውቲ ነበሩ።
24 እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲኤን ንፋሳት፡ ብምብራቕ፡ ብምዕራብ፡ ብሰሜን፡ ብደቡብ እዮም ዝነበሩ።
25 እቶም ኣብ ዐዓዶም ዚነብሩ ኣሕዋቶም ከኣ ኣብ ሰሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ምሳታቶ ኪዀኑ። ይመጹ ነበሩ።
26 ከመይሲ እዞም ሌዋውያን ዝነበሩ ኣርባዕተ ሓላቑ ሓለውቲ ደገ ወርትግ ሰብ መዚ እዮም ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ክፍልታትን መዝገባትን ከኣ ምዙዛት ነበሩ።
27 ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ኣምላኽ ይሐድሩ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ መዞም ነበረ።
28 ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ ኣገልግሎትሲ ሰብ መዙ ነበሩ እሞ፡ ቈጺሮም የእትውዎ፡ ቈጺሮም ከኣ የውጽእዎ ነበሩ።
29 ገሊኣቶምውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ፡ ኣብ ብዘሎ ኣቓሑ መቕደስ ዋናታት ነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድኹም ሓርጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከኣ እተመዘዙ ነበሩ።
30 ካብቶም ደቂ ኻህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኢ የዳልው ነበሩ።
31 ማቲትያ ኸኣ ካብቶም ሌዋውያን፡ ንሱ በዂሪ ወዱ ንሻሉም ቈራሓዊ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ምስንካት ኣብ መቚሎ ዘሎ ዕዮ ምዙዝ ነበረ።
32 ካብ ኣሕዋቶም ድማ፡ ካብቶም ደቂ ቀሃታውያን፡ ገሊኣቶም ንሰንበት ሰንበት ኬዳልውዎ፡ ኣብ ልዕሊ እንጌራ ምርኣይ ነበሩ።
33 እቶም ዘማሮ ዝዀኑ ኣብቲ ኽፍልታት ቤት ዚቕመጡ ዝነበሩ፡ ናይ ሌዋውያን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፡ ለይትን መዓልትን ብዕዮኦም ትሑዛት ነበሩ እሞ፡ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ሓራ ነበሩ።
34 እዚኣቶም በብወለዶኦም ኣሕሉቚ፡ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።
35 የዒኤል ኣቦ ጊብዖን፡ ሰበይቱ መዓካ እትብሀል፡ ኣብ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ።
36 በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶን እዩ፡ ድሕሪኡ ጹርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን፡
37 ጌዶርን ዓሕዮን ዘካርያን ሚቅሎትን።
38 ሚቅሎት ከኣ ንሺመኣም ወለደ፡ እዚኣቶም ድማ ምስ ኣሕዋቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ መንጽር ኣሕዋቶም ተቐመጡ።
39 ኔር ከኣ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ድማ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታንን ሜልኪ-ሹዓን ኣቢናዳብን ኤሽባዓልን ወለደ።
40 ወዲ ዮናታን ድማ መሪብ-ባዓል ከኣ ንሚካ ወለደ።
41 ደቂ ሚካ ድማ፡ ጲቶንን መለክን ታሕሬዓን ኣሃዝን።
42 ኣሃዝ ከኣ ንያዕራ ወለደ፡ ያዕራ ድማ ንዓለመትን ዓዝማዌትን ዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ።
43 ሞጻ ንቢንዓ ወለደ፡ ሬፋያ ኸኣ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ።
44 ኣጼል ድማ ሹድሽተ ወዲ ነበርዎ፡ ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ዓዝሪቃም፡ ቦክሪ፡ እስማኤልን ሸዓርያን ዖባድያን ሓናንን። እዚኣቶም ደቂ ኣጼል እዮም።

1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልባዓ ወደቑ።
2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ደቁን ስዒቦም እግር እግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ኣቢናዳብን ማልኪ-ሹዓን ቀተልዎም።
3 ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከኣ እቲ ውግእ በርትዔ፡ ወርወርቲ መንትግውን ኣርከብዎ፡ በቶም ወርወርቲ ድም ኣዝዩ ተጨነቐ።
4 ሽዑ ሳኦል ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም መጺኦም ከየላግጹለይሲ፡ ሴፍካ ምሰቶ እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈርሄ እሞ፡ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።
5 እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ፡ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ሞተ።
6 በዚ ኸምዚ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፡ ኲሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ።
7 እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዂሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ከም ዝሀደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ከተማታቶም ሐዲጎም ሀደሙ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን።
8 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንደቁን ከኣ ኣብቲ ኸረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።
9 ሽዑ ገፈፍዎ፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ወሲዶም ከኣ ንጣኦቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኼበስሩ፡ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ።
10 ነቲ ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ዳጎን ሰቐልዎ።
11 ብዘለው ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ዘበለ ዂሉ ምስ ሰምዑ፡
12 ጀጋኑ ዘበሉ ዂሎም ሰባት ተንስኡ እሞ ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ያቤሽ ኣምጽእዎም፡ ነቲ ኣዕጽምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ድዋ ቐበርዎ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።
13 ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ።
14 ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ።

 

1 ሽዑ ብዘለው እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ሔብሮን ተኣኪቦም ከምዚ በልዎ፡ እኔና ንሕናስ ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡
2 ካብ ቀደም ድማ እቲ ሳኦል ነጊሱ ኸሎ፡ እቲ ንእስራኤል እተውጽኦን እተኣትዎን ንስኻ ኢኻ ዝነበርካ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸኣ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ።
3 ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ሔብሮን መጹ፡ ዳዊት ከኣ ኣብ ሔብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።
4 ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ንሳ ይቡስ፡ ከደ። ተቐማጦ እታ ሃገር ይብሳውያን ኣብኣ ነበሩ።
5 እቶም ሰብ ይብስ ከኣ ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሐዛ።
6 ዳዊት ከኣ፡ እቲ ቐዲሙ ንይብሳውያን ዝቐተለ ዘበለ፡ ሓለቓን ራእስን ኪኸውን እዩ፡ በለ። ዮኣስ ወዲ ጹርያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ።
7 ዳዊት ከኣ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፡ ስለዚ ንእኣ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ።
8 ነታ ኸተማ ድማ ብዙርያ፡ ካብ ሚሎ ሒዙ ኽሳዕ ዙርያኣ ሰርሓ። ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸኣ ዮኣብ ኣዐረዮ።
9 ዳዊት ድማ እናዐበየ ኸደ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ።
10 እቶም ምስ ብዘሎ እስራኤል ኰይኖም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል፡ ንዳዊት ኬንግስዎ፡ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ዀይኖም ድማ ብሓይሊ ዝሐገዝዎ ኣውራታት ጀጋኑ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።
11 ቊጽሪ ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ያሾበዓም፡ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፡ እዚ ርእሲ እቶም ሰላሳ፡ ንሱ ዂናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ፡ ብሐደ ሳዕ ቀተሎም።
12 ድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ እቲ ዓሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ።
13 ንሱ ኣብ ጰስ-ዳሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፡ ኣብኡ ድማ ስገም ዝመልኣ ግራት ነበረት፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያ ሀደሙ።
14 ንሳቶም ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሞም ኣድሐንዋ፡ ንፍልስጥኤማያንውን ሰዐርዎም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዓብዪ ምድሓን ኣድሐኖም።
15 ካብቶም ሰላሳ ኣውራታት ድማ ሰለስተ ናብታ ከውሒ፡ ናብ ዳዊት ኣብታ በዓቲ ኣዱላም ወረዱ፡ እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ።
16 ሽዑ ዳዊት ኣብ እምባ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ሽዑ ኣብ ቤት-ልሄም ነበሩ።
17 ዳዊት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፡ ኢሉ ተመነየ።
18 ሽዑ እቶም ሰለስተ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ ማይ ቀድሑ፡ ጾይሮም ድማ ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐወሉ እምበር፡ ኪሰትዮስ ኣይፈተወን።
19 ንሱ፡ ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ዝቐበጹ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ? ነዚ ምግባርስ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ፡ በለ። ስለዚ ኺሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ገበሩ።
20 ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ከኣ ርእሲ እቶም ሰለስተ ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ስሙይ ነበረ።
21 ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ንሱ ኻብቶም ክልተ ይኸብር ነበረ፡ ሓለቓኦም ከኣ ዀነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን።
22 በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ ብዓል ቀብጽኤል፡ ንሱ ኽልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ንሱ ድማ ብጊዜ ውርጪ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።
23 ንሱ ኸኣ ንሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ፡ ነዊሕ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ሰብኣይ፡ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ሰብኣይ ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዚኸውን ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ።
24 በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።
25 እንሆ፡ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። ዳዊት ከኣ መማኸርቱ ገበሮ።
26 እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ፡ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ቤት-ልሄማዊ፡
27 ሻሞት እቲ ሃሮራዊ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ፡
28 ዒራ ወዲ ዒቄሽ፡ እቲ ተቆዓዊ፡ ኣቢዔዘር እቲ ኣናቶታዊ፡
29 ሲብካይ እቲ ሑሻታዊ፡ ዒላይ እቲ ኣሖሓዊ፡
30 ማሃራይ እቲ ንጦፋታዊ፡ ሔለድ ወዲ በዓና፡ እቲ ንጦፋታዊ፡
31 ኢታይ ወዲ ሪባይ፡ ካብ ጊብዓ፡ ካብቶም ደቂ ብንያም፡ በናያ እቲ ጲርዓቶናዊ፡
32 ሑራይ ካብ ርባታት ጋዓሽ፡ ኣቢኤል እቲ ዓርባታዊ፡
33 ዓዝማዌት እቲ ባሓሩማዊ፡ ኤለያሕባ እቲ ሳዓልቦናዊ፡
34 በነሃሽም እቲ ጊዞናዊ፡ ዮናታን ወዲ ሻገ፡ እቲ ሓራራዊ፡
35 ኣሒኣም ወዲ ሻካር እቲ ሓራራዊ፡ ኤሊፋል ወዲ ኡር።
36 ሔፈር እቲ መኬራታዊ፡ ኣሒያ እቲ ጶሎናዊ።
37 ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ናዓራይ ወዲ ኤዝባይ፡
38 ዮኤል ሓው ናታን፡ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፡
39 ጼለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ቤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግሬ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡
40 ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡
41 ኡሪያ እቲ ሔታዊ፡ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፡
42 ዓዲና ወዲ ሺዛ እቲ ሮቤላዊ፡ ሓደ ሓለቓ ሮቤላውያን፡ ምስኡ ኸኣ ሰላሳ፡
43 ሓናን ወዲ ማዓካ፡ ዮሳፋጥ እቲ ሚትናዊ ኸኣ፡
44 ዑዚያ እቲ ዓሽትራታዊ፡ ሻማን የጉኤልን ደቂ ሖታም ዓሮዔራዊ፡
45 የዲዓኤል ወዲ ሺምሪ፡ ዮሓ ኸኣ ሓው፡ እቲ ቲጻዊ።
46 ኤሊኤል እቲ ማሃዊ፡ ዪሪባይን ዮሻዊያን ደቂ ኤልናዓም ከኣ፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ፡
47 ኤሊኤልን ዖቤድን ያዓሺኤል እቲ መጾባያውን።

 

1 ዳዊት ገና ኻብ ገጽ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሐቢኡ ኸሎ፡ እቶም ናብኡ ኣብ ጺቅላግ ዝመጹ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውግእ ዝሐገዝዎ ጀጋኑ ነበሩ።
2 ንሳቶም ብየማነ ጸጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዚኽእሉ፡ ብቐስቲውን ፍላጻ ዚውርውሩ ቐስተኛታት ነበሩ። ካብ ኣሕዋት ሳኦል፡ ካብ ብንያማውያን እዮም ዝነበሩ።
3 ኣሒዔዘር እቲ ርእሰን ዮኣስን፡ ደቂ ሽማዓ እቲ ጊብዖናዊ፡ የዚኤልን ጰለጥን ደቂ ኣዝማዌት፡ ብራካን የሁ እቲ ዓናቶታውን።
4 ዪሽማዕያ እቲ ጊብዖናዊ ድማ ሓደ ጅግና ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ፡ ሐለቓ እቶም ሰልሳ፡ ኤርምያስን ያሓዚኤልን ዮሓናንን ዮዛባድ እቲ ገደራታውን።
5 ኤልዑዛይን የሪሞትን በዓልያን ሸማርያን ሸፋጥያ እቲ ሓሩፋውን፡
6 እቶም ቈረሓውያን፡ ኤልቃናን ዪሺያን ዓዛርኤልን ዮዔዘርን ያሾብዓምን፡
7 ዮዔላን ዘባድያን፡ ደቂ ይሮሓም ካብ ግዶር።
8 ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ዓልዮም ናብ ዳዊት ኣብቲ እምባ ኣብ በረኻ መጹ፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ንውግእ ዕሉማት፡ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰባት፡ ገጾም ከኣ ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ፡ ከም ሶስሓ ድማ ኣብ ኣኽራን ቅልጡፋት ነበሩ፡
9 ዔዘር እቲ ርእሲ፡ እቲ ኻልኣይ ዖባድያ፡ እቲ ሳልሳይ ኤሊያብ፡
10 እቲ ራብዓይ ሚሽማና፡ እቲ ሓምሳይ ኤርምያስ፡
11 እቲ ሳድሳይ ዓታይ፡ እቲ ሳብዓይ ኤሊኤል፡
12 እቲ ሳምናይ ዮሓናን፡ እቲ ታስዓይ ኤልዛባድ፡
13 እቲ ዓስራይ ኤርምያስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓድ ማክባናይ።
14 እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ሓላቑ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፡ ሓደ ኻባቶቶም እቲ ንኡስ ክንዲ ሚእቲ፡ እቲ ዓብዪ ኸኣ ክንዲ ሽሕ ያኣክል ነበረ።
15 እቶም በታ መጀመርያ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገምገም ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ ኸላ እተሳገሩ፡ ነቶም ኣብ ለሴታት ዚነብሩ ዂሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጒዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።
16 ካብ ደቂ ብንያም ይሁዳን ከኣ ናብ ዳዊት፡ ናብቲ እምባ መጹ።
17 ዳዊት ድማ ኪቕበሎም ወጸ፡ ከምዚ ተዛሪቡ ኸኣ መለሰሎም፡ ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም እንተ ዄንኩም ዝመጻእኩምኒ፡ ልበይ ምሳኻትኩም ሓደ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ዓመጽ ዜልቦ ኽነሱስ፡ ኣብ ጸላእተይ ከተትሕዙኒ እንተ ዄንኩም ግና፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይቕጽዓዮ።
18 ሽዑ ኣማሳይ ኣውራ እቶም ሰላሳ፡ መንፋስ ለበሰ እሞ፡ ኣታ ዳዊት፡ ንሕናስ ናትካ ኢና፡ ኣታ ወዲ እሴይ፡ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽ ሐጊዙካ እዩ እሞ፡ ሰላም ንኣኻ፡ ሰላም፡ ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን፡ በለ። ዳዊት ከኣ ተቐበሎም፡ ሓላቑ ጭፍራ ድማ ገበሮም።
19 ገለ ኻብ ምናሴውን ናብ ዳዊት ሐለፉ፡ እዚ ኸኣ ንሱ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኰይኑስ፡ ንሳኦል ኪወግእ ወጺኡ ኸሎ እዩ ዝዀነ፡ ግናኸ እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ብዋጋ ኣራእስና ናብ ጐይታኡ ከየብል፡ ኢሎም ብምኽሪ ሰደድዎ እሞ፡ ኣይሐገዝዎምን።
20 ናብ ጺቅላግ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ካብ ምናሴ ናብኡ ዝሐለፉ፡ ዓድናሕን ዮዛባድን የዲዓኤልን ሚካኤልን ዮዛባድን ኤሊሁን ጺልታይን፡ ናይ ምናሴ ሓላቑ ሽሕ።
21 ንሳቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብቲ ሰራዊት ከኣ ሓላቑ ዝዀኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ንዳዊት ኣንጻር እቲ ጭፍራ ዘመትቲ ሐገዝዎ።
22 ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ናብ ዳዊት ይመጹ ነበሩ እሞ፡ ከም ሰራዊት ኣምላኽ እቲ ሰራዊት ዓብዪ ዀነ።
23 እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብኡ ምእንቲ ኼምልስዋ፡ ናብ ዳዊት ናብ ሔብሮን ዝመጹ፡ ንውግእ እተሰለፉ ተዋጋእቲ፡ ቊጽሮም እዚ እዩ፡
24 ደቂ ይሁዳ፡ ዋልታን ኲናትን ዝጾሩ፡ ንውግእ እተሰለፉ ሹድሽተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን።
25 ካብ ደቂ ስምኦን፡ ንውግእ ሓያላት ጀጋኑ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን።
26 ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን።
27 የሆይዳ፡ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፡ ምስኡ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን።
28 ጻዶቅ ድማ ጐበዝ፡ ሓያል ጀግና፡ ምስኡ ኸኣ ዕስራን ክልተን ሓላቑ ኻብ ቤት ኣቦኡ።
29 ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ፡ ክሳዕ እዚ ዘመን እዝስ ዚበዝሑ ኻባታቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ጸኒዖም ነበሩ።
30 ካብ ደቂ ኤፈሬም ከኣ ዕስራ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት ሰባት።
31 ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ፡ ንዳዊት ኬንግሱ ኺመጹ በብስሞም እተሰምዩ።
32 ካብ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ እስራኤል እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ኺፈልጡ፡ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፡ ክልተ ሚእቲ ዋናታቶም፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ድማ ኲሎም ኣሕዋቶም ምሳታቶም።
33 ካብ ዛብሎን ብዂሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፈ፡ ናብ ሰራዊት ዚወጹ፡ ፈለጥቲ ስርዓት ውግእ፡ ልቦም ዘይምቑል፡ ሰብ ስርዓት፡ ሓምሳ ሽሕ።
34 ካብ ንፍታሌም ከኣ ሽሕ ሓላቑ፡ ምሳታቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕ።
35 ካብቶም ሰብ ዳን ከኣ ንውግእ እተሰለፉ፡ ዕስራን ሾሞንተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን።
36 ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዚወጹ፡ ኣርብዓ ሽሕ።
37 ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፡ ብዂሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፉ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ።
38 እዚኣቶም ኲሎም ንውግእ እተዳለው ተዋጋእቲ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኬንግስዎ ፡ብፍጹም ልቢ ናብ ሔብሮን መጹ። ብዘሎ እቲ ዝተረፈ እስራኤል ከኣ ዳዊት ንምንጋስ ሓደ ልቢ ነበረ።
39 ኣሕዋቶም ኣሳናድዮምሎም ነበሩ እሞ፡ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ።
40 ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኰይኑ ነበረ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፡ ክሳዕ ኣብ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፡ እንጌራን ሓርጭን ጐጎ በለስን ጐጎ ዘቢብን ወይንን ዘይትን ሰባሕትን ጤል በጊዕን ኣምጽኡሎም።

 

1 ዳዊት ድማ ምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስ ኲሎም መሳፍንትን ተማኸረ።
2 ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል በሎ፡ እዚ ነኣኻትኩም ጽቡቕ መሲሉኩም እንተ ዀይኑ፡ እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን እንተ ዀይኑስ፡ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኲለን ሃገራት እስራኤልን ምስኦም ናብ ዘለው ኻህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብተን ከተማታቶም መምስ ከባብኤን፡ ንሳቶም ናባና ምእንቲ ኺእከቡ፡ ልኡኻት ንስደደሎም።
3 ነቲ ታቦት ኣምላኽና ብዘመን ሳኦል ኣይጠየቕናሉን ኢና እሞ፡ ናባና ነምጽኣዮ።
4 እዚ ነገር እዚ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎ ነበረ እሞ፡ ብዘሎ እቲ ማሕበር፡ ከምኡ ንግበር፡ በለ።
5 ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ምእንቲ ኼምጽኦ ኸኣ፡ ካብ ሲሖር ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዂሎም እስራኤል ኣከቦም።
6 ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ነቲ ታቦት ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዚቕመጥ እግዚኣብሄር፡ ንሱውን ብስሙ እተሰምየሉ፡ ካብኣ ምእንቲ ኺወስድዎ፡ ናብ ባዓላ ናብ ቂርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ።
7 ነቲ ታቦት ኣማላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም ድማ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰዱዎ። ዑዛን ኣሒዮን ከኣ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።
8 ዳዊትን ብዘለው እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብጸናጽልን ብመለኸታትን ይጻወቱ ነበሩ።
9 ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ነቲ ታቦት ኪሕዞ ኢዱ ዘርግሔ።
10 ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ኢዱ ናብቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሔ ኸኣ፡ ቀዘፎ እሞ፡ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ።
11 ዳዊት ድማ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ እሞ ነቲ ቦታ እቲኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ፡ ጰሬጽ-ዑዛ ኢሉ ሰመያ።
12 ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሁ፡ ታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምጽእ? በለ።
13 ስለዚ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዐዞን።
14 እቲ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶም ኣብ ቤቱ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ዖቤድ-ኤዶም ንዂሉ ዘለዎን ባረኾ።

 

1 ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ኪሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ።
2 ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፡ ነታ መንግስቱ እምብዛ ልዕል ኣቢሉሉ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ኣስተውዐለ።
3 ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ የሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ እሞ፡ ዳዊት ወሲኹ ኣወዳትን ኣዋልድ ወለደ።
4 እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎምንን፡
5 ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን፡
6 ኖጋን ኔፈግን ያፊዓን፡
7 ኤሊሻማን በዒልያዳን ኤሊፈለጥን።
8 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ከም እተቐብኤ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ።
9 እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ።
10 ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ? ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ።
11 ናብ በዓል-ጰራጺም ደየቡ፡ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዚብተን፡ ኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኡላ።
12 ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሐደጉ፡ ዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም።
13 እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ።
14 ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሐተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉ፡ ብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም።
15 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዚረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ።
16 ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዐርዎም።
17 ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ።

1 ዳዊት ድማ ኣብታ ኸተማ ዳዊት ንርእሱ ኣባይቲ ሰርሔ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ዚኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸኣ ንእኡ ድንኳን ተኸለሉ።
2 ሽዑ ዳዊት፡ ንታቦት ኣምላኽ ኪጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኼገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ሰብ ንታቦት ኣምላኽ ኪጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኼገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ንታቦት ኣምላኽ ኣይጽሮ፡ በለ።
3 ዳዊት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኼደይቦ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ኣከቦ።
4 ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም።
5 ካብ ደቂ ቀሃት፡ ኡሪኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዕስራን፡
6 ካብ ደቂ መራሪ፡ ዓሳያ እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእትን ዕስራን፡
7 ካብ ደቂ ጌርሾም፡ ዮኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ሰላሳን፡
8 ካብ ደቂ ኤሊጻፋን፡ ሸማዕያ እቲ ሐለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእቲ፡
9 ካብ ደቂ ሔብሮን፡ ኤሊኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሰማንያ፡
10 ካብ ደቂ ዑዚኤል፡ ኣሚናዳብ እቲ ሓላቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
11 ዳዊት ድማ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ እቶም ካህናት፡ ነቶም ሌዋውያን፡ ንኡሪኤልን ዓሳያን ዮኤልን ሸማዕያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ጸውዖም።
12-13 ንኣታቶም ድማ በሎም፡ ንስኻትኩም ኣራእስ መማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጸወርኩምዎ፡ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ፡ ስለዚ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሳናዶኹሉ ቦታ ኸተደይብዎ፡ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ።
14 ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ምእንቲ ኼደይብዎ፡ ተቐደሱ።
15 እቶም ደቂ ሌዋውያን ከኣ፡ ሙሴ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ ገይሩ ኸም ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመሰላታት ኣብ መናኩቦም ጾርዎ።
16 ዳዊት ድማ ነቶም ሓላቑ ሌዋውያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳርያ መዚክ፡ ብመሰንቆን፡ ብበገናን ብጸናጽልን ተሐጒሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓው እናበሉን ኣብኡ ኬቚምዎም ተዛረቦም።
17 ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንሄማን ወዲ ዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ኸኣ ኣሳፍ ወዲ በረክያን ካብ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪውን ኤታን ወዲ ቁሻያ ኣቘሙ።
18 ምሳታቶም ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም፡ ዘካርያስን ቤንን ያዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን በናያን ማዓያን ማዓሳያን ማቲቱያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ።
19 እቶም መዘምራን፡ ሄማንን ኣሳፍን ኤታንን፡ ድማ ብጸናጽል ኣስራዚ የቓንዩ ነበሩ።
20 ዘካርያስን ዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን ማዓሰያን በናያን ከኣ ብመሰንቆ ንዓለሞት።
21 ማቲትያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ብበገና ንሸሚኒት ኪመርሑ።
22 ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከኣ ኣብ መዝሙር መራሒ እዩ። ንሱ በዚ ፈላጥ ነበረ እሞ፡ መዝሙር የስተምህር ነበረ።
23 በረክያን ኤልቃናን ድማ ሓለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ።
24 ድማ ሸባንያን ዮሳፋጥን ንታንኤልን ዓማሳይን ዘካርያስን በናያን ኤሊዔዘርን፡ እቶም ካህናት፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድ-ኤዶምን የሒያን ከኣ ሐለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ።
25 ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ኬደይብዎ ኸዱ።
26 ኰነ ድማ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን፡ ኣምላኽ ምስ ሐገዞም፡ ሾብዓተ ኣርሓን ሾብዓተ ድዑልን ሰውኡ።
27 ዳዊት ድማ ባርኖስ ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ተኸዲኑ ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እቶም ታቦት ዚጾሩ ዂሎም ሌዋውያንን እቶም ዘመርትን፡ ቀናንያ እቲ መራሕ መዝሙር ከኣ ምስቶም ዘመርቲ፡ ንዳዊት ድማ ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ።
28 ሽዑ ዂሎም እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብጸናጽልን ብመጸንቆን ብበገናን እናድመቑ ኣደየብዎ።
29 ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረኣየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።

 

1 ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣእተውዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ንእኡ ኢሉ ዝተኸሎ ድንኳን ከኣ ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።
2 ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ።
3 ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም።
4 ድማ ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኬገልግሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዝክርዎን ኪውድስዎን ኬመስግንዎን ስርዔ፡
5 ኣሳፍ እቲ ሓለቓ፡ እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ፡ የዒኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ማቲትያን ኤሊኣብን በናያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን መሰንቆን በገናን፡ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽልን ኣድሚቖም ኬቓንዩ፡
6 በናያን ያሓዚኤልን እቶም ካህናት ድማ መለኸት ሒዞም፡ ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኪዀኑ ሰርዔ።
7 ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሳፍን ኣሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ቐዳማይ ጊዜ ኣዘዘ።
8 ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንገሩ።
9 ንእኡ ዘምሩ፡ ቃንዩሉ፡ ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ።
10 በቲ ቅዱስ ስሙ ተኸበሩ፡ ልብ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልዩ ይተሐጐስ።
11 ንእግዚኣብሄርን ስልጣኑን ድለዩ፡ ገጹ ዂሉጊዜ ድለዩ።
12 ነቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን፡ ንትእምርትታቱን ፍርድታት ኣፉን ዘክሩ።
13 ኣቱም ዘርኢ እስራኤል ባርያኡ፡ ደቂ ያእቆብ ሕሩያቱ፡
14 ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፡ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣሎ።
15 ኪዳኑ ንዘለኣለም ዘክሩ። ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል፡
16 ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ነቲ ንይስሃቅ ዝመሐለሉ ማሕላ ዘክሩ።
17 ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፡ ኣብ እስራኤል ድማ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ፡
18 ከምዚ ኢሉ፡ ምድሪ ከነኣን ንኣኻ ኽህብ እየ፡ ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ።
19 ሽዑ ብቚጽሪ ሒዶት ነበርኩም፡ ኣብኣ ሒዶትን ስደተኛታትን ነበርኩም።
20 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ ካብ ሓንቲ መንግስቲ ኸኣ ናብ ካልእ ህዝቢ ሐለፉ።
21 ሓደ ሰብ እኳ ኺገፍዖም ኣይሐደገን፡ ምእንታኦም ድማ ንነገስታት ገሰጸ።
22 ንቕቡኣተይ ኣይትቕረብዎም፡ ንነብያተይ ከኣ ክፋእ ኣይትግበርዎም።
23 ኲሉ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።
24 ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ።
25 እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ፡ ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ።
26 ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
27 ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚ ገጹ፡ ስልጣንን ሓጐስን ኣብ ስፍራኡ ኣሎ።
28 ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ክብርን ስልጣንን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ።
29 ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሀብዎ፡ መባእ ኣቕርቡ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹውን ምጹ፡ ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ኣልባሳት ስገዱሉ።
30 ኲሉኹም ሃገራት፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፡ ዓለም ጸኒዓ ቘይማ እያ፡ ኣይትናወጽን ከኣ።
31 ሰማያት ባህ ይበል፡ ምድሪውን ትተሐጐስ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ፡ ይበሉ።
32 ባሕርን ምልኣቱን ደሃይ ይሀቡ፡ መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ይተሐጐስ።
33 ንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።
34 ጻጋኡ ኸኣ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
35 በሉውን፡ ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፡ ብምውዳስካውን ክንከብርሲ፡ ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ኣድሕነና፡ ካብ ኣህዛብ ከኣ ኣኻኽበና ኣናግፈናና።
36 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ብሩኽ ይኹን። ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።
37 ከምቲ ነናይ መዓልቲ ስራሕ ዜድሊ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኲሉጊዜ ኼገልግሉ፡ ዳዊት ንኣሳፍን ነሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሐደጎም።
38 ዖቤድ-ኤዶምን ኣሕዋቶምን ድማ፡ ስሳን ሾሞንተን። ዖቤድ-ኤዶም ወዲ የዲቱንን ሖሳን ከኣ ሓለውቲ ደገ ኪዀኑ፡
39 ንኻህን ጻዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ ዘሎ ማሕደር እግዚኣብሄር ኰይኖም፡
40 ከምቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ዘሎ ዂሉ፡ ኲሉጊዜ፡ ብጊሓትን ምሸትን፡ ኣብቲ መሰውኢ ምሕራር ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ ኣመዘዞም።
41 ምሳታቶም ድማ ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ ብስም እተሰምዩ ሕሩያትን ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ ኬመስግንዎ።
42 ምሳታቶምውን ሄማንን የዱቱንን ምስ መለኸታትን ጸናጽላትን ምስቲ መሳርያታት ሙዚክ ኣምላኽን ነቶም ኣድሚቖም ዜቓንዩ ኣመዘዞም፡ ንደቂ የዱቱን ከኣ ሓለውቲ ደገ ገበሮም።
43 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ በቤቱ ኸደ። ዳዊት ከኣ ንቤቱ ኺባርኻ ተመልሰ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ፡ በሎ።
2 ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ።
3 ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጾ፡
4 ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሰርሓለይን ኢኻ።
5 ካብታ ንእስራኤል ዘደየብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳን፡ ካብ ማሕደሪውን ናብ ማሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን።
6 ኣብቲ ምስ ብዘሎ እስራኤል እተመላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ኪጓስዩ ንዝኣዘዝክዎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ? ኢለዶ ተዛረብኩ?
7 ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውንሲ፡ ኣነ ኻብቲ ምጒሳይ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ።
8 ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለው ዓበይቲ ድማ ስም ክገብረልካ እየ፡
9-10 ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እነግረካ ኣሎኹ።
11 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካ፡ ብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዚኸውን ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ መንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ።
12 ንሱ ንኣይ ቤት ኪሰርሓለይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።
13 ኣነ ኣቦ ክዀኖ እየ፡ ንሱ ድማ ወዲ ክኮነኒ እዩ። ምሕረተይ ከኣ፡ ከምቲ ኻብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዝመለስክዋ፡ ካብኡ ኣይክመልሳን እየ።
14 ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ደኣ ንዘለኣለም ከቚሞ እየ፡ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።
15 ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታን ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ።
16 ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣትዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ?
17 ዎ ኣምላኽ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ንዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ርኤኻኒ።
18 ንባርያኻስ ትፈልጦ ኣሎኻ እሞ፡ ደጊም ዳዊት ብዛዕባ እዚ ኽብረት ባርያኻ እንታይ ኪውስኽ እዩ?
19 ዎ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዂሉ ዓበይቲ ነገራት ከተፍልጥሲ፡ ምእንቲ ባርያካ ከም ልብኻን ኢልካ ዂሉ እዚ ዕቤት እዚ ገበርካ።
20 ዎ እግዚኣብሄር፡ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻ ድማ ኣምላኽ የልቦን።
21 ከብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ኣህዛብ ብምስጓጒካ፡ በዚ ዓብዪን ዜፍርህን ነገር ንኣኻ ስም ክትገብርሲ፡ ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኼድሕኖ ዝኸደ፡ ኣብ ምድሪኸ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ሓደ ህዝቢዶ ኣሎ እዩ?
22 ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኪኸውን ገበርካዮ፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኹ ዀንካሉ።
23 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ይጽናዕ ኢልካ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ግበር።
24 ሽዑ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ፡ እናተባህለ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን ይዕበን። እታ ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸኒዓ ኣላ።
25 ዎ ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ቤት ከም እተሰርሓሉስ፡ ንስኻ ኣብ ኣእዛኑ ገሊጽካሉ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ።
26 ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንባርያኻ ኸኣ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ኣተስፎኻዮ።
27 ሕጂ ድማ እቲ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ እሞ፡ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነበር፡ ክትባርኻ ፈቲኻ አሎኻ።

 

1 ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ስዒሩ ኣጥቅዖም፡ ንጋትን ዓድታታን ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን።
2 ንሞኣብውን ሰዐሮ እሞ፡ ሞኣባውያን ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ።
3 ዳዊት ድማ ንስልጣኑ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ኬጽንዖ ምስ ከደ፡ ንሃዳአዔዘር ንጉስ ጾባ ኣብ ሓማት ሰዐሮ።
4 ዳዊት ከኣ ካብኡ ሽሕ ሰረገላን ሾብዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋራይ ሰብን ወሰደ። ዳዊት ድማ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም፡ ካብኦም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ።
5 እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ።
6 ዳዊት ድማ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ እቶም ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።
7 ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላው ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰዶ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ።
8 ዳዊት ከኣ ካብ ጢብሓትን ካብ ኩንን፡ ከተማታት ሃዳርዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ። ብእኡ ሰሎሞን ነቲ ባሕሪ ኣስራዝን ነቲ ኣዕኑድን ነቲ ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ።
9 ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ ንዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኸም ዝሰዐሮ ምስ ሴምዔ፡
10 ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን ንሃዳርዔዘር ተዋኣጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖን፡ ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ኲሉ ዓይነት ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ነበረ።
11 ነዚውን ንጉስ ዳዊት ምስቲ ኻብ ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ኤዶምን ካብ ሞኣብን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቅን፡ ዘምጽኦ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ።
12 ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ካብ ኤዶማውያን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ቀተለ።
13 ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኲሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ገላውኡ ዀኑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።
14 ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ።
15 ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ ነበረ።
16 ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሻውሻ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ።
17 በናያ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ሓላቑ ነበሩ።

 

1 ድሕሪዚ ድማ ዀነ፡ ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ነገሰ።
2 ዳዊት ድማ፡ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ምሕረት ክገብረሉ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላው ዳዊት ከኣ ንሓኑን ኬጸናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ዓሞን ኣተው።
3 እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዞም ገላውኡ ነዛ ሃገር ምእንቲ ኺምርምርዋን ኬጥፍእዋን ኪስልይዋን ደይዀኑን ናባኻ ዝመጹ፡ በልዎ።
4 ሽዑ ሓኑን ንገላው ዳዊት ወሲዱ ላጸዮም፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።
5 ነቶም ሰባት ዝዀኖም ነገር ከኣ ገለ ሰባት ከይዶም ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ፡ እቶም ሰባት ብዙሕ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ዚቕበልዎም ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩም ተመለሱ፡ በሎም።
6 ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ብሰሪ ርእሶም ከም እተጸልኡ፡ ምስ ረኣዩ፡ ሓኑንን ደቂ ዓሞንን ካብ ኣራም-ናሃራዪምን ካብ ኣራም-ማዓካን ካብ ጾባን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኪካረዩስ፡ ሽሕ ታለንት ብሩር ሰደዱ።
7 ሽዑ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ንንጉስ መዓካን ንህዝቡን ተኻረዩ፡ እዚኣቶም መጺኦም ኣብ ቅድሚ ሜድባ ሰፈሩ፡ ደቂ ዓሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ኪዋግኡ መጹ።
8 ዳዊት ከኣ ምስ ሰምዖ፡ ንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ጀጋኑን ሰደደ።
9 ደቂ ዓሞን ድማ ወጺኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመጹ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።
10 ዮኣብ ከኣ እቲ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝዀኖ ምስ ረኣየ፡ ካብ ኲሎም እቶም ሕሩያት ኣብ እስራኤል ሐርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።
11 እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሻይ ሓው ገበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ኪቃባበሉ ኸኣ ተሰለፉ።
12 በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሐየሉ ኸኣ፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ።
13 ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር።
14 ሽዑ ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ናብ ቅድሚኦም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ።
15 እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሓው ሀዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተው። ሽዑ ዮኣብ ናብ የሩሳሌም ኣተወ።
16 ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ልኡኻት ሰደዱ እሞ፡ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽእዎም፡ ሾፋኽ ናይ ሃዳርዔዘር ሓለቓ ሰራዊት ከኣ መርሖም።
17 እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ናብኦም ቀሪቡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ንውግእ ኪቃባበሎም ምስ ተሰለፈ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ።
18 እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሰባት ናይ ሾብዓተ ሽሕ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ እግረኛ ሰብን ቀተለ። ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ።
19 እቶም ገላው ሃዳርዔዘር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ምስ ዳዊት ተዐርቁ እሞ ተገዝእዎ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕሪ ደጊም ንደቂ ዓሞን ኪረድእዎም ኣይፈተውን።

 

1 ኰነ ድማ፡ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጽሉ ጊዜ፡ ዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ዓሞን ኣጥፍኣ፡ መጺኡ ኸኣ ንራባ ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ዮኣብ ከኣ ንራባ ሰዐራ እሞ ኣፍረሳ።
2 ዳዊት ድማ ነታ ዘውዲ ንጉሶም ካብ ልዕሊ ርእሱ ወሰዳ፡ ሚዛና ኸኣ ሓደ ታለንት ወርቂ ምዃኑ ረኸቦ፡ ክቡራት ኣዕናቚ ድማ ነበርዋ። ናብ ርእሲ ዳዊት ከኣ ተነብረት። ካብታ ኸተማ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ።
3 ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖም። ዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ። ዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
4 ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ተላዕለ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሺጳይ ቀተሎ። ንሳቶም ከኣ ተገዝኡ።
5 ከም ብሓድሽ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ፡ ኤልሓናን ወዲ ያዒር ከኣ ንላሕሚ ሓው ጐልያድ፡ እቲ ጋታዊ፡ ቀተሎ፡ ንሱ እቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ እዩ።
6 ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሹድሽተ፡ ማለት ዕስራን ኣርባዕተን ኣጻብዕ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ካብ ሬፋ እተወልደ እዩ።
7 ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓያ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ።
8 እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ። ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላውኡን ከኣ ወደቑ።

1 ሰይጣን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተንስኤ እሞ፡ ንዳዊት እስራኤል ኪቘጽር ኣልዓዐሎ።
2 ዳዊት ከኣ ንዮኣብ ንሓላቑ ህዝብን፡ ኪዱ፡ ንእስራኤል ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳዕ ዳን ቊጸርዎ፡ ቊጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ከኣ፡ ቃል ኣምጽኡለይ፡ በሎም።
3 ዮኣብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ሳዕ ይወስኮ፡ ግናኸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኲሎም ገላው ጐይታይዶ ኣይኰኑን? ስለምንታይ ጐይታይ ነዚ ነገር እዚ ይደልዮ ኣሎ? ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት ንበደል ዚኸውን? በለ።
4 እቲ ቓል ንጉስ ግና ንዮኣብ በርትዖ። ስለዚ ዮኣብ ወጸ፡ ናብ በዘሎ እስራኤል ከይዱ ኸኣ ናብ የሩሳሌም መጸ።
5 ዮኣብ ድማ ቊጽሪ እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንዳዊት ሀቦ። ካብ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ዓሰርተው ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዝመዙ ሰብ ነበሩ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ሴፍ ዚመዙ ሰብ ነበሩ።
6 ዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ይፍንፍኖ ነበረ እሞ፡ ንሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይቈጸሮምን።
7 እዚ ነገር እዚ ግና ንኣምላኽ ኣጒሀዮ እሞ፡ ንእስራኤል ቀዘፎ።
8 ሽዑ ዳዊት ንኣምላኽ፡ እዚ ነገር እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በደልኩ፡ ብዙሕ ድማ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ግና በጃኻ፡ በደል ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንጋድ ናይ ዳዊት ረኣዪ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
10 ኪድ እሞ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ንኣኻ ሓደ ሕረ እሞ፡ ክገብረልካ እየ፡ ኢልካ ተዛረቦ።
11 ጋድ ከኣ ናብ ዳዊት ኣተወ በሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ እትደልዮ ሕረ፡
12 ሰለስተ ዓመት ጥሜት፡ ወይስ ሴፍ ጸላእቲኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ምህዳም፡ ወይስ ሴፍ እግዚኣብሄር፡ ማለት ኣብዛ ሃገር ሰለስተ መዓልቲ ፌራ፡ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ኬምጽእ። ነቲ ዝለኣኸንስ እንታይ ቃል ከም ዝመልሰሉ ሕጂ ሕሰብ።
13 ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ ዓብዪ እዩ እም፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደኣ እወድቕ፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ።
14 ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ካብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰብ ወደቑ።
15 ድማ ኣምላኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ መልኣኽ ሰደደላ፡ ንሱ ኼጥፍእ ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ረኣዮ እሞ፡ በቲ ኽፋእ ተጣዒሱ፡ ነቲ ዜጥፍእ መልኣኽ፡ ይኣክል፡ ሕጂስ ኢድካ ምለሳ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣርናን እቲ ይብሳዊ ደው በለ።
16 ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቛሕ ኣበላ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ደው ኢሉ እተመሌሔት ሴፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዘርጊሕዋ ረኣየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ማቕ ተኸዲኖም ብገጾም ተደፍኡ።
17 ዳዊት ድማ ንኣምላኽ በሎ፡ ኣነ ደይኰንኩን እቲ ህዝቢ ኪቚጸር ዝበልኩ? ኣነ እየ ዝኣበስኩን ነቲ ብዙሕ ክፋእ ዝገበርኩን፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ? ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር፡ ናብ ህዝብኻስ ንምቕዛፉ ኣይትኹን።
18 ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፡ ንዳዊት፡ ንሱ ደይቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኬቚመሉ፡ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዞ።
19 ዳዊት ከኣ በቲ ጋድ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ደየበ።
20 ኦርናን ድማ ግልጽ በለ፡ ነቲ መልኣኽ ከኣ ረኣዮ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሐብኡ። ኦርናን ግና ስርናይ የኽይድ ነበረ።
21 ዳዊት ናብ ኦርናን ምስ መጸ ኸኣ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ፡ ካብቲ ዓውዲ ወጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፍኤ።
22 ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኪኽልከል፡ ንእግዚኣብሄር ኣብኣ መሰውኢ ኽሰርሓሉስ፡ ቦታ እዚ ዓውዲ ሀበኒ፡ንእኡ ብምሉእ ዋጋ ሀበኒ፡ በሎ።
23 ኦርናን ከኣ ንዳዊት፡ ንኣኻ ውሰዳ፡ ጐይታይ ንጉስ ነቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር፡ እንሆ፡ እዞም ኣብዑር ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ሰረገላታት ከኣ ንዕጨይቲ፡ ስርናይውን ንመስዋእቲ ብልዒ እህብ፡ ኲሉ ሂበ ኣሎኹ፡ በሎ።
24 ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ ኣይፋል፡ ንእግዚኣብሄር ኢለስ ናትካ ዝዀነ ኽወስድ ኣይደልን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ዋጋ ዜብሉስ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብርግጽ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽሻየጣ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ።
25 ዳዊት ከኣ ንኦርናን ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ሀቦ።
26 ዳዊት ድማ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ኣዕረገ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ፡ ንሱ ኸኣ ብሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰዊኢ ምሕራር ካብ ሰማይ ምላሽ ሀቦ።
27 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ ሴፉ ናብ ሰገባኣ መለሳ።
28 በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ምላሽ ከም ዝሀቦ ምስ ረኣየ፡ ኣብኡ ሰውኤ።
29 እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር እግዚኣብሄር እቲ መሰውኢ ምሕራርንሲ በቲ ጊዜ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ እዩ ዝነበረ።
30 ግናኸ ዳዊት ብዛዕባ እታ ሴፍ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሄ፡ ንኣምላኽ ኪደልዮ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን።

 

1 ዳዊት ከኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዚ ትኹን፡ ንእስራኤል መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣብዚ ይኹን፡ በለ።
2 ዳዊት ድማ እቶም ኣብ ሃገር እስራኤል ዚነብሩ ጓኖት ኪእከቡ ኣዘዘ። ቤት ኣምላኽ ኪስራሕ ከኣ ኣእማን ዚወቕሩ ወቐርቲ ሰርዔ።
3 ዳዊት ድማ ንመዓጹ ኣፍ ደጌታትን ንመተሓሐዝን ዚኸውን ሽንካር ብዙሕ ሓጺንን ሚዛን ዜብሉ ብዙሕ ኣስራዝን ኣከበ።
4 ሲዶናውያን ጤሮሳውያንን ብዙሕ ኣእዋም ቄድሮስ ንዳዊት የምጽኡሉ ነበሩ እሞ፡ ቊጽሪ ዜብሉ ኦም ቄድሮስ ከኣ ኣከበ።
5 ዳዊት ከኣ፡ እዚ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እታ ንእግዚኣብሄር እትስራሓሉ ቤት ግና ኣብ ኲለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን ክተከውንሲ፡ አዝያ ዓባይ ክትከውን ይግባእ፡ ስለዚ ኸዳልወላ ደልየ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ኣዳለወ።
6 ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሐሉ ኣዘዞ።
7 ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሓሉ ብልበይ ሐሲበ ነበርኩ።
8 ግናኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓበይቲ ውግእ ከኣ ተዋጊእካ ኢኻ፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ።
9 እንሆ፡ ንኣኻ ወዲ ኺውለደልካ እዩ፡ ንሱ ህዱእ ሰብ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለው ዂሎም ጸላእቱ ድማ ህድኣት ክህቦ እየ። ስሙ ሰሎሞን ኪብሀል እዩ እሞ፡ ብዘመኑ ኸኣ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።
10ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሓሉ እዩ፡ ንሱ ወደይ ኪዀነኒ፡ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክዀኖ እየ። ዝፋን መንግስቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።
11 ሕጂ፡ ኣታ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ የቕንዓልካውን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ድማ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስራሕ።
12 ሓንትስ ኰታ፡ እግዚአብሔር ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሀብካ። ንሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ክትሕልዎስ፡ ንሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል የግዝእካ።
13 ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ብዛዕባ እስራኤል ዝኣዘዞ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ እንተ ተጠንቀቕካስ፡ ኪቐንዓካ እዩ። ጽናዕን ትባዕን፡ ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን።
14 እንሆ ኸኣ፡ ብጭንቀተይ ንቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ወርቂ፡ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ታለንት ብሩር ኣዳለኹ። ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ሚዛን ዜብሉ እዩ። ኣዕጫውን ኣእማንን ከኣ ኣዳሎኹ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ንስኻ ድማ ክትውስኸሉ ኢኻ።
15 ብዙሓት ዓየይቲ ኸኣ ምሳኻ ኣለው፡ ቀረጽትን ወቐርትን ጸረብትን ኲሉ ዓይነት ዕዮ ዚፈልጡ ዂሎምን።
16 ናይ ወርቂ፡ ናይ ብሩር፡ ናይ ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ቊጽሪ የብሉን። ተንስእ እሞ ስራሕ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።
17 ዳዊት ከኣ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ኪሕግዝዎ ኣዘዞም፡ ከምዚ በሎም፡
18 እቶም ኣብ ሃገር ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ፡ እዛ ሃገር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም ኣየሎን፡ ብዂሉ ወገንከ ዕረፍቲ ሂቡኩም ዶ ኣይኰነን?
19 ሕጅስ ልብኹምን ነፍስኹምን ንምድላይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምለስዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስ ኣቓሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ኪኣቱስ፡ ተንስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።

 

1 ዳዊት ድማ ዕድመ ጸጊቡ ኣረጊት ኰነ፡ ንወዱ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ።
2 ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤልን ንኻህናትን ሌዋውያንን ኣከቦም።
3 እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ ተቘጽሩ፡ እቲ ቚጽሩ፡ እቲ ቚጽሮም ድማ በብርእሲ ተተባዕታዮም ሰላሳን ሾሞንተን ሽሕ ኰነ።
4 ዳዊት ከኣ በለ፡ ካብ እዚኣቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነቶ ዕዮ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪሐልዮሉ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከኣ ሓላቑን ፈረድትን ኪዀኑ፡
5 ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ ደጌታት ኪዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኺምስገን፡ ዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዜመስግኑ ዘመርቲ ኪዀኑ።
6 ዳዊት ድማ ከምቶም ደቂ ሌዊ ኣብ ናይ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን ክፍልታት መቐሎም።
7 ካብ ጌርሾናውያን፡ ላዕዳንን ሺምዒን።
8 ደቂ ላዕዳን፡ የሒኤል እቲ ሓለቓን ዜታምን ዮኤልን፡ ሰለስተ።
9 ደቂ ሺምዒ፡ ሸሎሞትን ሓዚኤልን ሃራንን፡ ሰለስተ። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።
10 ደቂ ሺምዒ ኸኣ፡ ያሓትን ዚናን የዑሽን በሪዓ፡ እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም ደቂ ሺምዒ እዮም።
11 ያሓት ዋና ነበረ፡ ዚና ድማ እቲ ኻልእይ። የዑሽን በሪዓን ግና ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኸም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ዀይኖም ተቘጽሩ።
12 ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ዮጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን፡ ኣርባዕተ።
13 ደቂ ዓምሪም አሮንን ሙሴን እዮም። ኣሮን ድማ ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ኪቕድስ ተፈልየ፡ ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ኬዕርጉን ኬገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ኪባርኹን እዮም።
14 ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ደቁ ኣብ ማእከል ነገድ ሌዊ ተሰምዩ።
15 ደቂ ሙሴ ጌርሾምን ኤልዔዘርን እዮም።
16 ካብ ደቂ ጌርሾም ሼብኤል ዋና እዩ።
17 ካብ ደቂ ኤልዔዘር ከኣ ረኻብያ እቲ ዋና እዩ፡ ግናኸ ኤልዔዘር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን። ደቂ ሪኻብያ ግና ኣዝዮም በዝሑ።
18 ደቂ ዪጽሃር፡ ሸሎሚት እቲ ዋና።
19 ደቂ ሔብሮን፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤልእቲ ሳልሳይ፡ ይቃምዓም ድማ እቲ ራብዓይ።
20 ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ እቲ ዋና፡ ዪሺያ ኸኣ እቲ ኻልኣይ።
21 ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን። ደቂ ማሕሊ፡ ኤልኣዛርን ቂሽን።
22 ኤልኣዛር ግና ኣወዳት ከይሐደገ ሞተ፡ ኣዋልድ ደኣ ነበራኦ፡ ደቂ ቂሽ ኣሕዋተን ከኣ ኣእተውወን።
23 ደቂ ሙሺ፡ ማሕሊን ዔደርን የሬሞትን፡ ሰለስተ።
24 እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት፡ ካብ ደቂ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ፡ በብርእሶም ተሰምዮም ብጽሕፈት እተቘጽሩ ደቂ ሌዊ እዮም።
25 ዳዊት ኢሉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ እዩ፡ ክሳዕ ዘለኣለም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ይነብር ኣሎ።
26 ስለዚ ድማ እቶም ሌዋውያን ንድንኳንን ነቲ ንእኡ ዜገልግሉሉ ዂሉ ኣቓሑኡን ኪጾሩ ኣየድልዮምን።
27 በቲ ዳሕራይ ቃላት ዳዊትሲ እቶም ደቂ ሌዊ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ተቘጽሩ።
28 ኣብ ትሕቲ ኢድ ደቂ ኣሮን ኰይኖም ዕዮኦም ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድን ኣብ እቃቤታትን ንዂሉ እቲ ቅዱሳት ነገር ኬጽርይዎን፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብምዕያይን ድማ እዩ።
29 ነታ እንጌራ ምርኣይን ንመስዋእቲ ብልዒ ዚኸውን ድኹም ሓርጭን ንዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቚሎ ንተሰንከተን እተሎሰን፡ ንመስፈሪ ዘበለ ዂሉውን ኪሐልዩ።
30 ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎን ኪውድስዎን፡ ምሸት ከኣ ኸምኡ፡
31 ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ከምዚ ብዛዕባኡ እተሰርዔ፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቚጽሪ እተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኲሉ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ።
32 ንምሕላው እቲ ድንኳን ምርኻብን ንምሕላው እቲ መቕደስን፡ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎም ምሕላው ድማ ኪሕልው እዮም።

 

1 ክፍልታት ደቂ ኣሮን ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣቢሁን ኤልኣዛርን ኢታማርን እዮም።
2 ናዳብን ኣቢሁን ግና ቅድሚ ኣቦኦም ሞቱ፡ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኤልኣዛርን ኢታማርን ካህናት ኰ ኑ።
3 ዳዊት ድማ ምስ ጻዶቅ ካብ ደቂ ኤልኣዛርን ምስ ኣሒሜሌክ ካብ ደቂ ኢታማርን ኰይኑ፡ ከምቲ እተሰርዓሎም ኣገልግሎቶም መቐሎም።
4 ኣብ ደቂ ኤልኣዛር ከኣ ካብ ደቂ ኢታማር ዚበዝሑ ዋናታት ተረኽቡ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተመቕሉ፡ ካብ ደቂ ኤልኣዛር ዓሰርተው ሹድሽተ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ኰኑ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ከኣ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሾሞንተ ዋናታት ኰኑ።
5 ካብ ደቂ ኤልኣዛር ኰነ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ኰነ ሹማምቲ መቕደስን ሹማምቲ ኣምላኽን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እዚኣቶም ምስ እቲ እቶም ብዕጭ ተመቕሉ።
6 እቲ ጸሓፊ፡ ሸማዕያ ወዲ ንታንኤል፡ ካብ ነገድ ሌዊ፡ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን ካህን ጻዶቅን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን፡ ኣብ ቅድሚ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን ጸሐፎም። ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ንኤልኣዛር፡ ሓደ ኸኣ ንኢታማር ተወስደ።
7 እሞ እቲ ቐዳማይ ዕጭ ንዮያሪብ፡ እቲ ኻልኣይ ንየዳያ ወጸ፡
8 እቲ ሳልሳይ ንሓሪም፡ እቲ ራብዓይ ንስዖሪም፡
9 እቲ ሓምሳይ ንማልኪያ፡ እቲ ሳድሳይ ንሚያሚን፡
10 እቲ ሳብዓይ ንሃቆጽ፡ እቲ ሳምናይ ንኣቢ፡
11 እቲ ታስዓይ ንየሹዓ፡ እቲ ዓስራይ ንሸካንያ፡
12 መበል ዓሰርተው ሓደ ንኤልያሺብ፡ መበል ዓሰርተው ክልተ ንያቂም፡
13 መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንሑጳ፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንየሸብኣብ፡
14 መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንቢልጋ፡ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንኢመር፡
15 መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንሔዚር፡ መበል ዓሰርተው ሾምንተ ንሃጲጸድ፡
16 መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንጳታሕያ፡ መበል ዕስራ ንይሔዝቅኤል፡
17 መበል ዕስራን ሓደን ንያኪን፡ መበል ዕስራን ክልተን ንጋሙል፡
18 መበል ዕስራን ሰለስተን ንደላያ፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንማዓዝያ።
19 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኢድ ኣቦኦም ኣሮን ዝሀቦ ስርዓት ንእኡውን ዝኣዘዞ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኪኣትውስ ስርዓት ኣገልግሎቶም እዚ እዩ።
20 ናይቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ ኸኣ፡ ናይ ደቂ ዓምራም ሹባኤል፡ ናይ ደቂ ሹባኤል የሕደያ፡
21 ናይ ረሓብያ፡ ናይ ደቂ ረሓብያ ዪሺያ እቲ ዋና።
22 ናይ ይጽሓራውያን፡ ሸሎሞት፡ ናይ ደቂ ሸሎሞት ያሓት።
23 ደቂ ሔብሮን ድማ፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤል እቲ ሳልሳይ፡ የቃምዓም እቲ ራብዓይ።
24 ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ፡ ናይ ደቂ ሚካ ሻሚር።
25 ሓው ሚካ፡ ዪሺያ ዘካርያስ።
26 ደቂ መራሪ ማሕሊን ሙሺን እዮም፡ ደቂ ያዓዚያ፡ ቤኖ።
27 ደቂ መራሪ ናይ ያዓዚያ፡ ቤኖን ሸሃምን ዛኩርን ዒብሪን።
28 ናይ ማሕሊ፡ ኤልኣዛር፡ ንሱ ድማ ደቂ ኣይነበርዎን።
29 ናይ ቂስ፡ ደቂ ቂስ የራሕምኤል።
30 ደቂ ሙሺ ኸኣ፡ ማሕሊን ዔደርን የሪሞትን። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደቂ ሌዋውያን እዮም።
31 እዚኣቶም ድማ ከምቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ጻዶቅን ኣሒሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ፡ ዕጭ ተዋደቑ።

 

1 ዳዊት ድማ ምስ ሹማምቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ንደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎት፡ ብበገናን መሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ኪነግሩ ፈለዮም። ቊጽሪ እቶም ከከም ኣገልግሎትም ዚዐዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እዚ እዩ፡
2 ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ ዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፡ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ ኢድ እቲ ኸም ትእዛዝ ንጉስ ዚንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዚዀኑ።
3 ካብ የዱቱን፡ ደቂ የዳቱን፡ ግዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሓሻብያን ማቲትያን፡ ሹድሽተ፡ ብበገና ብትሕቲ ኢድ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምምስጋን ብምኽባርን ዚንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዳቱን ዚዀኑ።
4 ካብ ሄማን፡ ደቂ ሄማን፡ ቡቂያ፡ ማታንያ፡ ዑዚኤል፡ ሼቡኤል፡ የሪሞት፡ ሓናንያ፡ ኤሊኣታ፡ ጊዳልቲ፡ ሮማምቲ፦ዔዘር፡ ዩሽብቃሽ፡ ማሎቲ፡ ሆቲር፡ ማሓዚኦት።
5 እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ሂማን ነበሩ፡ንሱ፡ ነቲ ቐርኒ ልዕል ኬብሎ፡ ኣብ ቃላት ኣምላኽ ናይ ንጉስ ረኣዪ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንሄማን ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሀቦ።
6 እዚኣቶም ኲሎም በቲ መዝሙር ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብዘሎ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው ኣኣቦኦም ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ነበሩ።
7 ቊጽሮም ድማ፡ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኲሎም ፈላጣት ኣሕዋቶም ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን ኰነ።
8 ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ድማ ተመዓራርዮም እቲ ንእሽቶ ኸምቲ ዓብዪ፡ እቲ መምህር ከምቲ ተማሃሪ ዕጭ ተዋደቑሉ።
9 እታ ቐዳመይቲ ዕጭ ንኣሳፍ ኣብ ዮሴፍ በጽሔት፡ እታ ኻልኣይቲ ንግዳልያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተው ክልተ ነበሩ።
10 እታ ሳልሰይቲ ንዛኩር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
11 እታ ራብዐይቲ ንዪጽሪ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
12 እታ ሓምሰይቲ ንነገታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
13 እታ ሳድሰይቲ ንቡቂያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
14 እታ ሳብዐይቲ ንየሻርኤላ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
15 እታ ሳምነይቲ ንየሻዕያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
16 እታ ታስዐይቲ ንማታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
17 እታ ዓስረይቲ ንሺምዒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
18 እታ መበል ዓሰርተው ሓድ ንዓዛርኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
19 እታ መበል ዓሰርተው ክልተ ንሓሻብያ፡ ድቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
20 እታ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንየሹባኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
21 እታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንማቲትያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
22 እታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንይሬሞት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
23 እታ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንሓናንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
24 እታ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንዮሽብቃሽ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
25 እታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ንሓናኒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
26 እታ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንማሎቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
27 እታ መበል ዕስራ ንኤሊያታ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
28 እታ መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
29 እታ መበል ዕስራን ክልተን ንጊዳልቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
30 እታ መበል ዕስራን ሰለስተን ንማሓዚኣት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
31 እታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማምቲ፦ዔዘር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።

 

1 ብናይ ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብ ቆረሓውያን መሸለምያ፡ ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ።
2 መሸለምያ ኸኣ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻልኣይ የዲዓኤል፡ እቲ ሳልሳይ ዘባድያ፡ እቲ ራብዓይ የትኒኤል፡
3 እቲ ሓምሳይ ዔላም፡ እቲ ሳድሳይ ዮሓናን፡ እቲ ሳብዓይ ኤልይሆዔላም።
4 ዖቤድ-ኤዶም ድማ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ሸማዕያ፡ እቲ ኻልኣይ የሆዛባድ፡ እቲ ሳልሳይ ዮኣሕ፡ እቲ ራብዓይ ከኣ ሳካር፡ እቲ ሓምሳይውን ንታንኤል፡
5 እቲ ሳድሳይ ዓሚኤል፡ እቲ ሳብዓይ ይሳኮር፡ እቲ ሳምናይ ጳዑለታይ፡ ኣምላኽ ባሪኽዎ ነበረ።
6 ንወዱ ሸማዕያ ኸኣ ኣወዳት ተወልዱሉ፡ ንሳቶም ሓያላት ብርቱዓትን ሰብ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦኦም ይገዝኡ ነበሩ።
7 ደቂ ሸማዕያ፡ ዖትኒን ረፋኤልን ዖቤድን ኤልዛባድን፡ እቶም ንፉዓት ሰባት ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኤሊሁን ሰማክያን።
8 እዚኣቶም ኲሎም ካብ ደቂ ዖቤድ-ኤዶም ነበሩ፡ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ነገልግሎት ዚበቕዑ ንፉዓት ሰባት፡ ስሳን ክልተን ካብ ዖቤድ-ኤዶም።
9 መሸለምያውን ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ንፉዓት ሰባት።
10 ሖሻ ኻብ ደቂ መራሪ ድማ ደቂ ነበርዎ፡ ሺምሪ ዋና ነበረ፡ ንሱ በዂሪ ዘይኰነ ኽነሱ፡ ኣቦኡ ዋና ገበሮ።
11 እቲ ኻልኣይ ሒልቂያ፡ እቲ ሳልሳይ ጠበልያ፡ እቲ ራብዓይ ዘካርያስ፡ ናይ ሖሽ ደቅን ኣሕዋትን ኲሎም ዓሰርተው ሰለስተ ነበሩ።
12 እቶም ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብዚኣቶም እቶም ዝነበሩ፡ ማለት ካብቶም ኣውራ ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ነገልግሎት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ኣሕዋቶም መዚ ተቐበሉ።
13 ነናይ ደገ ኸም መማይ ቤት ኣቦታቶም ንእሽቶ ኸም ዓብዪ ዕጭ ተዋደቑለን።
14 እቲ ናይ ምብራቕ ዕጭ ኣብ ሸለምያ ወደቐ። ለባም መኻሪ ንዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ ዕጭ ኣውደቑሉ፡ ዕጩ ኸኣ ብናይ ሰሜን ወጸ።
15 ንዖቤድ-ኤዶም እቲ ናይ ደቡብ በጽሖ፡ ነቶም ደቁ ድማ ቤት መዛግብቲ።
16 ናብ ምዕራብ፡ እቲ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ሻለከት እተደይብ መገዲ ንሹጲምን ንሖሳን በጽሖም። ንሱ እታ ሓለዋ ኣብ መንጽር ሓለዋ ናይ ዘለዋኦ እዩ።
17 ብምብራቕ ሹድሽተ ሌዋውያን ነበሩ፡ ብሰሜን ብየዕለቱ ኣርባዕተ፡ ብደቡብ ብየዕለቱ ኣርባዕተ፡ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኸኣ ክልተን ክልተን።
18 ንጳርባር ብወገን ምዕራብ ኣብታ ልዕል ዝበለት በገዲ ኣርባዕተ፡ ኣብ ጳርባር ድማ ክልተ ነበሩ።
19 እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ መራሪን ዝነበሩ ኽፍልታት ሓለውቲ ደጌታት እዚኣቶም እዮም።
20 ካብ ሌዋውያን ድማ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ነበረ።
21 ደቂ ላዕዳን፡ ደቂ ጌርሻናውያን ካብ ላዕዳን፡ ዋናታት ናይቲ ጌርሾናዊ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት የሒኤላውን ነበሩ።
22 ደቂ የሒኤላውያን፡ ዜታምን ሓው ዮኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ነበሩ።
23 ካብ ኣምራማውያን፡ ካብ ዪጽሃራውያን፡ ካብ ሔብሮናውያን፡ ካብ ዑዚኤላውያንስ፡
24 ሸቡኤል፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሹም ነበረ።
25 እቶም ካብ ኤሊዓዘር ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸኣ፡ ረሓብያ ወዲ፡ ይሻዕያ ወዱ፡ ዮራም ወዱ፡ ዚክሪ ወዱ፡ ሸሎሞት ወዱ።
26 እዚ ሸሎሞት እዝን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ እተቐደሰ ነገር መዛግብቲ ነበሩ፡ ማለት እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ሽሕን ሚእትን ሓላቑ ሰራዊትን ዝቐደስዎ ነገር።
27 ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎ ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ቀዲሶምዎ ነበሩ።
28 ድማ ዂሉ እቲ ሳሙኤል ረኣይን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣብኔር ወዲ ኔርን ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ዝቐደስዎ፡ ማንም ዝቐደሶ ዘበለ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ኢድ ሸሎሞትን ኣሕዋቱን ነበረ።
29 ኣብ ዪጽሃራውያን፡ ከናንያን ደቁን ኣብ ግዳማዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹማምትን ፈረድትን ነበሩ።
30 ካብ ሔብሮናውያን፡ ሓሻብያን ኣሕዋቱን ሃበርም ሰብኡት፡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንመጋብነት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ኲሉ ዕዮ እግዚኣብሄር ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመዘዙ።
31 ካብ ሔብሮናውያን፡ የሪያ ነቶም ሔብሮናውያን ከም ወለዶ ማይ ቤት ኣቦታት ዋናኦም ነበረ። ንግዝኣት ዳዊትስ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኦም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኦም ኣብ ያዕዜር ኣብ ጊልዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ።
32 ኣሕዋቱ ድማ ክልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን፡ ሃበርም ሰብኡት፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ምናሴን ኣብ ኲሉ ናይ ኣምላኽ ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሸሞም።

1 ደቂ እስራኤል ድማ ከም ቊጽሮም፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን፡ እቶም በቲ ናይ ክፍልታት ኲሉ ነገር ንንጉስ ዜገልግሉ መኳንንቶምን፡ ንሳቶም ብዅለን ወርሓትን ዓመት ኣብ ወወርሒ ይኣትውን ይወጹን ነበሩ፡ ናይ ሐሓደ ኽፍሊ ዔዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
2 ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ያሾብዓም ወዲ ዛብዲኤል ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
3 ንሱ ኻብ ደቂ ፌሬስ ነበረ፡ ንዂሎም እቶም ሓላቑ ናይቲ ሰራዊት ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ንሱ ሓለቓኦም ነበረ።
4 ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፍሊ ናይ ካልኣይቲ ወርሒ ድማ ዶዳይ እቲ ኣሖሓዊ ምስ ክፍሉ። ሚቅሎት ሹም ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
5 እቲ በቲ ሳልሰይቲ ወርሒ ራእሲ ዀይኑ ዜገልግል ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት በናያ ወዲ እቲ ኻህን የሆያዳ እዩ፡ እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
6 እዚ በናያ እዚ እቲ ጅግና ኻብቶም ሰላሳ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳ ዝነበሩ እዩ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ነበረ።
7 እቲ ራብዓይ ናይ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ነበረ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ዘባድያ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
8 እቲ ሓምሳይ ሐለቓ፡ ናይ ሓምሳይቲ ወርሒ፡ ሻምሁት እቲ ይዝራሓዊ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
9 እቲ ሳድሳይ ናይ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቀሽ እቲ ተቆዓዊ፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
10 እቲ ሳብዓይ ናይ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
11 እቲ ሳምናይ ናይ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ሲብካይ፡ እቲ ሑሻታዊ ኻብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
12 እቲ ታስዓይ ናይ ታስዐይቲ ወርሒ፡ ኣቢዔዘር፡ እቲ ዓናቶታዊ ኻብ ብንያማውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
13 እቲ ዓስራይ ናይ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ማሓራይ፡ እቲ ነጦፍታዊ ካብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
14 እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ናይ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ ዜገልግል፡ በናያ፡ ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
15 እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ፡ ናይ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ሔልዳይ፡ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዖትኒኤል፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
16 ኣብ ልዕሊ ነገዳት እስራኤል ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ መስፍን ካብ ሮቤላውያን ኤሊዔዘር ወዲ ዚክሪ ነበረ። ካብ ስምኦናውያን ሸፋጥያ ወዲ ማዓካ።
17 ካብ ሌዋውያን ሓሻብያ፡ ወዲ ቄሙኤል፡ ካብ ኣሮን ጻዶቅ።
18 ካብ ይሁዳ ኤሊሁ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፡ ካብ ይሳኮር ዖምሪ ወዲ ሚካኤል።
19 ካ ዛብሎን ዪሽማዕያ ወዲ ዖባዲያ፡ ካብ ንፍታሌም የሪሞት ወዲ ዓዝሪኤል።
20 ካብ ደቂ ኤፍሬም ሆሼዓ ወዲ ኣዛዝያ፡ ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ዮኤል ወዲ ጴዳያ።
21 ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኣብ ጊልዓድ ኢዶ ወዲ ዘካርያስ፡ ካብ ብንያም ይዓሲኤል ወዲ ኣብሄር።
22 ካብ ዳን ዓዛርኤል ወዲ ይሮሓም። እዚኣቶም ሓላቑ ነገዳት እስራኤል ነበሩ።
23 ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዜብዝሖም ኢሉ ነበረ እሞ፡ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዘበሉ ኣይቈጸሮምን።
24 ዮኣብ ወዲ ጽሩያስ ኪቘጽር ጀሚሩ ነበረ፡ ግናኸ ኣይወድኦን። ብሰሪ እዚ ድማ ናብ ልዕሊ እስራኤል መዓት መጸ። እቲ ቚጽሪ ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ንጉስ ዳዊት ኣይተጻሕፈን።
25 ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ንጉስ ከኣ ዓዝማዌት ወዲ ዓዲኤል ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ግራሁን ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን ኣብ እምባታትን ዝነበረ ጥሪት ድማ ዮናታን ወዲ ዑዚያ ነበረ።
26 ኣብ ልዕሊ እቶም ንምድሪ ኺሐርሱ፡ ኣብቲ ናይ ግራት ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩ ኸኣ ዔዝሪ ወዲ ኬሉብ ነበረ።
27 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ሺምዒ እቲ ራማታዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መዓካን ወይኒ ዚኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ዛብዲ እቲ ሺፍማዊ ነበረ።
28 ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ኣውልዕን ኣብ ጐልጐል ዝነበረ ሰጋሉን ድማ በዓል-ሓናን እቲ ግደራዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ዘይቲ ኸኣ ዮዓሽ ነበረ።
29 ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ሳሮን ዚጓሰያ ኸብቲ ድማ ሺጥራይ እቲ ሳሮናዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸብቲውን ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ነበረ።
30 ኣብ ልዕሊ እተን ኣግማል ከኣ ኦቢል እቲ እስማኤላዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣእዱግ ድማ የሕደያ እቲ ሜሮናታዊ ነበረ።
31 ኣብ ልዕሊ እተን ኣባጊዕ ከኣ ያዚዝ እቲ ሃገራዊ ነበረ። እዚኣቶም ኲሎም ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ሃብቲ ነበሩ።
32 ዮናታን፡ ሓው ኣቦኡ ንዳዊት፡ ኣማኻሪ ነበረ፡ ንሱ ኣስተውዓሊ ሰብኣይን ጸሓፍን ነበረ፡ የሒኤል ወዲ ሓቅሞኒ ኸኣ ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ።
33 ኣሒቶፌል ድማ መኻሪ ንጉስ ነበረ፡ ሑሻይ እቲ ኣርካዊ ኸኣ ዓርኪ ንጉስ ነበረ።
34 ድሕሪ ኣሒቶፌል ድማ የሆያዳ ወዲ በናያን ኣብያታርን ነበሩ። ዮኣብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ።

 

1 ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል፡ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ሓላቑ እቶም ንንጉስ ዜገልግሉ ኽፍልታትን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስን ናይ ደቁን ኲሉ ገንዘቡን ከብትን ምስቶም መኳንንትን ጀጋኑን፡ ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣከቦም።
2 ሽዑ ንጉስ ዳዊት በእጋሩ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፡ ስምዑኑ፡ ኣነ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ነታ ድኳ እግሪ ኣምላኽናን ቤት ዕረፍቲ ኽሰርሕ ኣብ ልበይ ነበረኒ፡ ንምስራሕ ዚኸውን ከኣ ኣዳሎኹ።
3 ኣምላኽ ግና፡ ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ኢኻ፡ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይትሰርሓሉን ኢኻ፡ በለኒ።
4 ግናኸ ንይሁዳ መስፍን ኪኸውን ሐረዮ፡ ኣብ ቤት ይሁዳውን ቤት ኣቦይ፡ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ኣቦይ ከኣ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኬንግሱኒ ብሂጉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ብዘላ ቤት ኣቦይ ሐረየኒ።
5 ካብ ኲሎም ደቀይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ እሞ፡ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን መንግስቲ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪቕመጥ ሐረዮ።
6 በለኒ ድማ፡ ወድኻ ሰሎሞን፡ ንእኡ ወደይ ኪዀነኒ፡ ኣነውን ኣቦኡ ክዀኖ ሐርየዮ እየ እሞ፡ ንሱ ቤተይን ኣጸዳተይን ኪሰርሕ እዩ።
7ንሱ ኸምቲ ሎሚ ዘሎ ንትእዛዛተይን ፍርድታተይን ንምግባሩ እንተ ጸንዔ ኸኣ፡ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓ እየ።
8 ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል እዛ ማሕበር እግዚኣብሄር እናሰምዖ፡ ነዛ ጽብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትወርስዋ፡ ንደቅኹምውን ድሕሬኹም ንዘለኣለም ከተረስትይዎም፡ ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሐልውዎን ድለይዎን።
9 ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ልብታት ይመራምሮ፡ ንዂሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ፡ እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ። እንተ ሐደግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።
10 ሕጂስ ተመልከት፡ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሐርዩካ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ስራሕን።
11 ዳዊት ድማ ምስሊ ገበላ መቕደስን ኣባይቱን መዛግቡቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን ነቲ ናይ መኽደን መተዓረቒ ቦታን ንወዱ ሰሎሞን ሀቦ።
12 ናይቲ ብመንፈስ ዝነበሮ ዂሉ፡ ናይ ኣጸዳት ቤት እግዚኣብሄርን ናይተን ብዙርያ ዚዀና ዂለን እቃቤታትን ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ምስሊ ድማ ሀቦ።
13 ቀጺሉ ኸኣ ናይ ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኲሉ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ኲሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡
14 ብመጠን ሚዛን ወርቂ ናይ ኣቓሑ ወርቂ፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡ ብመጠን ሚዛን ናይ ዂሉ ኣቓሑ፡ ብመጠን ሚዛን ናይ ኲሉ ኣቓሑ ብሩር፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡
15 ሚዛን ድማ ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚታት ቀንዲልን ናይ ወርቂ ቕልዒታቱን፡ ሚዛን ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን፡ ሚዛን ከኣ ነቲ ናይ ብሩር ቀዋሚታት ቀነዲል፡ ከከም ምግልጋል እቲ ቐዋሚ ቐንዴል፡ ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን ሚዛን ሀቦ።
16 ድማ ነቲ ሰደቓታት እንጌራ ምርኣይ፡ ነንሰደቓ ዚኸውን ወርቂ ብሚዛን፡ ንሰደቓታት ብሩር ከኣ ብሩር ሀቦ።
17 ድማ ንሻኳታትን ጭሔሎታትን ኲስኲስትታትን ዚኸውን ጽሩይ ወርቂ፡ ንናይ ወርቂ ጽዋኣትውን ነንጽዋእ ብሚዛን፡ ንናይ ብሩር ጽዋኣት ከኣ ነንጽዋእ ብሚዛን ሀቦ።
18 ነቲ መሰውኢ ዕጣን ዚኸውን እተዀልዔ ወርቂ ድማ ብሚዛን፡ ንምስሊ እቲ ሰረገላውን፡ ማለት እቶም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚኸድኑ ኪሩቤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚኸድኑ ኪሩቤል ወርቂ፡ ሀቦ።
19 ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ብጽሕፈት ካብ ኢዱ ንኣይ ናይ እዚ ምስሊ ስራሕ ኲሉ ኸም ዘስተውዕሎ ገበረኒ፡ በለ።
20 ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ፡ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ትባዕን ስራሕን፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር ከኣ። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ኲሉ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ንሱ ኣይኪጠልመካን ኣይኪሐድገካን ከኣ እዩ።
21 እቶም ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዚዀኑ ኽፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ድማ እነው። ኣብ ኲሉ ስራሕውን ንዝዀነ ዘበለ ዓይነት ዕዮ ፍቶትን ጥበብን ዘለዎም ሰባት ምሳኻ ዚዀኑ፡ እቶም ሓላቑን ብዘሎ እቲ ህዝብን ድማ ንዂሉ ትእዛዝካ ድልዋት እዮም።

1 ንጉስ ዳዊት ድማ ንብዘላ ማሕበር በላ፡ ወደይ ሰሎሞን፡ ኣምላኽ ንእኡ በይኑ ዝሐረዮ፡ ገና ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እቲ ዕዮ ግና ዓብዪ እዩ፡ እዚ ኣዳራሽ እዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን።
2 ኣነ ኸኣ ብዂሉ ሓይለይ ንቤት ኣምላኸይ ዚኸውን፡ ንናይ ወርቂ ነገር፡ ወርቂ፡ ንናይ ብሩር ነገር ከኣ ብሩር፡ ንናይ ኣስራዚ ነገር ድማ ኣስራዚ፡ ንናይ ሓጺን ነገር ከኣ ሓጺን፡ ንናይ ዕጨይቲ ነገርውን ዕጨይቲ፡ ኣዕናቚ እምንን ዚሳናቐር እምንን ጸሊም ዜንጸባርቕ እምንን፡ እተቐርጸ እምንን ኲሉ ዓይነት ክቡር እምንን እምነ በረድን ኣብዚሔ ኣዳሎኹ።
3 ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ቅድስቲ ቤት ኢለ ዘዳሎኽዎ ዂሉ ድማ፡ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘሎኒ፡ ወሲኸ ንቤት ኣምላኸይ እህብ ኣሎኹ፡
4 ሰለስተ ሽሕ ታለንት ወርቂ ኻብ ወርቂ ኦፊር፡ ሾብዓተ ሽሕ ታለንት ከኣ እተዀልዔ ብሩር ንምልባጥ እቲ መናድቕ ኣባይቲ፡
5 ወርቂ ንዜድሊ ኻብ ወርቂ፡ ብሩር ንዜድሊ ድማ ካብ ብሩር፡ ኤረ ብኢድ ብልሓተኛ ንዚግበር ዘበለ ዂሉ ስራሕ ከኣ እህብ ኣሎኹ። ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚኣብሄር ዚህብ መን ኣሎ?
6 ሽዑ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ነገዳት እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስቶም ሓላቑ እቲ ስራሕ ንጉስን ብፍታው ሀቡ።
7 ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ወርቅን ዓሰርተ ሽሕ ዳሪክን ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ተለንት ኣስራዝን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ሓጺንን ሀቡ።
8 እቲ ኽቡር ኣእማን እንረኽቦ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ የሒኤል እቲ ጌርሾናዊ፡ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።
9 ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሀቡዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሐጐሰ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሰ።
10 ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘላ ማሕበር ንእግዚኣብሄር ባረኾ፡ በለ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን።
11 ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ።
12 ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዚመጻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ፡ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ።
13 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ ኣሎና።
14 ከምቲ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኲሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ? እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም?
15 ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኲሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና፡ ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት እየን፡ ዚነብር ከኣ የልቦን።
16 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘሎና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ እዩ፡ ኲሉ ኸኣ ናትካ እዩ።
17 ኣታ ኣምላኸየ፡ ንስኻ ልቢ ኸም እትፍትን ቅንዕናውን ከም እትፈቱ እፈልጥ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ እዚ ዂሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ ኣሎኹ። ሕጂ ድማ እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኬቕርበልካ ብሓጐስ ርእየ እየ።
18 ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ነዚ ናይ ህዝብኻ እማመ ሓሳባት ልቦም ንዘለኣለም ሐሉ፡ ልቦም ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ።
19 ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሕጋጋትካን ኪሕሉ፡ ንዂሉ ድማ ኪገብሮ፡ ነዚ ንእኡ ኢለ ዘዳልዎ ዘሎኹ ኣዳራሽውን ኪሰርሕ ፍጹም ልቢ ሀቦ።
20 ዳዊት ድማ ንብዘሎ ማሕበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኽዎ፡ በለ። ሽዑ ብዘሎ ማሕበር ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታቱ ባረኸ፡ ድንን ድማ በሉ፡ ንእግዚኣብሄር ንንጉስን ከኣ ሰገዱ።
21 ነዛ መዓልቲ እዚኣስ ብጽባሒታ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዕረጉሉ፡ ሽሕ ብዕራይ፡ ሽሕ ድዑል፡ ሽሕ ገንሸል፡ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፡ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዂሉ እስራኤል ሰውኡ።
22 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ሓጐስ በልዑን ሰተዩን። ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ንእኡ መስፍን ንእግዚኣብሄር ኪኸውን ንጻዶቅውን ካህን ኪኸውን ቀብእዎም።
23 ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ፡ ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተቐመጠ ሰለጦውን፡ ብዘለው እስራኤል ከኣ ይእዘዝዎ ነበሩ።
24 ኲሎም ሓላቑን ጀጋኑን ኲሎም ደቂ ንጉስ ዳዊትን ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሎሞን ተገዝኡ።
25 እግዚኣብሄር ከኣ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል ክብ ኣቢሉ ኣዝዩ ኣዕበዮ፡ ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ዘበለ ንጉስ ዘይነበሮ፡ ግርማ መንግስቲ ንንጉስ ሰሎሞን ሀቦ።
26 ዳዊት ወዲ እሴይ ግና ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ነጊሱ ነበረ።
27 እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገዝኣሉ ዘመን ከኣ ኣርብዓ ዓመት እዩ፡ ኣብ ሔብሮን ሾብዓተ ዓመት ገዝኤ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላስን ሰለስተን ዓመት ገዝኤ።
28 ዕድመን ሃብትን ክብረትን ጸጊቡ ኸኣ ብጽቡቕ ሽምግልና ሞተ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።
29 እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ነገራት፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ ንሳቶም ኣብ ዛንታ ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ዛንታ እቲ ረኣዪ ጋድን ተጽሒፎም ኣለው።
30 ምስ ብዘሎ ምግዛኡን መንፍዓቱን እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንናይ ኲለን ሃገራት መንግስትታትን ዝበጽሖም ኲነታትን ተጽሒፉ ኣሎ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...