ጽማቝ ሓሳባት ሰቆቃው ኤርምያስ (Lamentations)

ብ587 ቅ. ክ. ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ብምጥፋኦም የሩሳሌምን ህዝባን ብዛዕባ ዘጋጠሞም ውርደትን መከራን ዕንወትን ትገልጽ። ኤርምያስ ብነብዪ ኤርምያስ ስለ እተጻሕፈ ድጕዓ ኤርምያስ ንኸተማ የሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ኪቝረጽ ከሎ ንዚብዓል ህዝባዊ ጽምብላት ተባሂሉ እዩ ተጻሒፉ ኪኸውን ዚኽእል።

ሰቆቃው ኤርምያስ (Lamentations)

1 እዛ ህዝቢ ጃርጃር ዚብለላ ኸተማ ኸመይ ኢላ እያ ጸምያ እትቕመጥ ዘላ፡ እዛ ኣብ ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት ከመይ ኢላ መበለት ኰነት፡ እዛ ወይዘሮ ኣውራጃታትሲ ገባር ኰነት።
2 ለይቲ ብኽያት ትበኪ፡ ንብዓታ ኣብ ምዕጒርታ ይውሕዝ፡ ካብ ኲሎም እቶም ፈተውታ ሓደ እኳ የልቦን ዜጸናንዓ፡ ኲሎም ኣዕሩኻ ጠለምዎ እሞ ጸላእታ ዀኑ።
3 ብሰሪ ሓሳርን ብርቱዕ መግዛእትን ይሁዳ ተማሪካ ኣላ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሰፊራ፡ ህድኣት ከኣ ስኢና ኣላ፡ ኲሎም ተሳጐጒታ ኣብ ጸበባኣ ኣርከብዋ።
4 ናብ በዓል ዚመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሐዝን፡ ኲሉ ደጌታታ ዖንዩ፡ ካህናት ይትክዙ ኣለዉ። ደናግላ ጒህየን፡ ንሳ ድማ ተመሪራ ኣላ።
5 ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኣ እግዚኣብሄር ሓዘን ኣውረደላ እሞ፡ ወደረኛታታ ርእሲ ዀኑ፡ ጸላእታ ይቐንዖም ኣሎ። ደቃ ተማሪኾም ቀቅድሚ ጸላኢ ኸዱ።
6 ኵሉ ግርማ ጓል ጽዮን ካብኣ ኣግለሰ። መሳፍንታ ኸም ዚብላዕ ዝሰኣና እራባት ኰኑ፡ ቀቅድሚ ሰጓጒ ንምህዳም ተሐለሉ።
7 የሩሳሌም ብመዓልትታት መከራኣን ምዂብላላን ናይ ጥንቲ ኽቡር ገንዘብ ትዝክር ኣላ። ህዝባ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑስ ረዳኢ ምስ ሰኣነ፡ ጸላእቲ እናሽካዕለሉ ጥፍኣታ ረኣዩ።
8 የሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገበረት፡ ስለዚ ኸም ርኽስቲ ዀነት፡ እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ ዂሎም ዕርቃና ርእዮም ነዐቕዋ። ንሳውን እህህ እናበለት ንድሕሪት ትምለስ ኣላ።
9 ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፡ መወዳእታኣ ኣይሐሰበቶን፡ ስለዚ ምውራዳ መስደምም እዩ፡ ዜጸናንዓውን የልቦን፡ ጻላኢ ይዕበ ኣሎ እሞ፡ ዎ ጐይታይ፡ ጸበባይ ርኤ።
10 ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትው ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ ኣብ መቕደሳ ኺኣትዉ ረኣየት እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኽቡር ጥሪታ ጸላኢ ኢዱ ዘርግሔ።
11 ኲሉ ህዝባ እናተከዘ እንጌራ ይደሊ ኣሎ፡ ነፍሶም ክትቀስንሲ ኽቡር ጥሪቶም ንምግቢ ሀቡ። ዎ ጐይታ፡ ተዋሪደ እየ እሞ፡ ርኤ ጠምትውን።
12 ኣቱም ሐለፍቲ መገዲ ዂላትኩም እስከ ኣስተዋድይዎ፡ ከምቲ በታ መዓልቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እግዚኣብሄር ዘጒሀየኒ ሓንቲ ስቓይ ከምታ እተቐጻዕኩላ ስቓየይ እንተ ኣልያስ፡ ጠምቱ እሞ ተመልከቱ።
13 ካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ኣሕመቖ። ነእጋረይ መፈንጠራ ዘርግሔ፡ ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፡ ኣብረስኒ ንዂሉ መዓልቲውን ኣማህመነኒ።
14 ኣርዑት ኣበሳይ ብኢዱ ተኣስረ፡ ተጠላሊፉ ኣብ ክሳደይ ተነብረ፡ ንሱ ሓይለይ ኣድከመ። ጐይታ ኣብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ኣሕሊፉ ወፈየኒ።
15 እግዚኣብሄር ንዂሎም ጀጋኖይ ኣብ ማእከለይ ራዕ ኣበሎም። ኣጒባዘይ ኪጭፍልቕ፡ ኣኼባ ኣኽተተለይ። ጐይታ ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ረገጻ።
16 ስለዚ ኣነ እበኪ፡ ኣዒንተይ፡ ኣዒንተይ ንብዓት ይዝቈቛ። ንነፍሰይ ዜቕስና መጸናንዒ ኻባይ ርሒቑ እዩ እሞ፡ ጸላኢ ስለ ዝሰዐረ፡ ደቀይ በረሱ።
17 ጽዮን ኣእዳዋ ትዝርግሕ፡ ዜጸናንዓ ኣይተረኽበን። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ዚኸብዎ ጸላእቲ ኣዘዘሉ። የሩሳሌም ኣብ ማእከሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።
18 ንኣፉ ተጻሪረ ነይረ እየ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እይ። ኣቱም ህዝብታት ኲላትኩም፡ ስምዑ ስቓየይውን ርኣዩ፡ ደናግለይን ኣጒባዘይን ተማሪኾም ከዱ።
19 ንፈተውተይ ጸዋዕክዎም፡ ግናኸ ኣስሐቱኒ። ካህናተይን ዓበይተይን ነፍሶም ኬቕስኑ፡ ምግቢ ኺልምኑ ኸለዉ ኣብ ከተማ ሐለቑ።
20 ዎ እግዚኣብሄር፡ ሐዚነ ኸም ዘሎኹ ርኤ። ኣዝየ ተጻሪረ እየ እሞ ኣምዑተይ ተዀሰ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠት ተገልበጠ፡ ደቀይ ኣብ ግዳም ብሰይፊ ተወድኤ፡ ኣብ ከብዲ ቤት ከኣ ከም ሞት ኣሎ፡
21 ቊዝማይ ስምዑ፡ ዜጸናንዓኒ የልቦን። ኲሎም ጸላእተይ መከራይ ሰምዑ፡ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ተሐጐሱ። ነታ ዝበልካያ መዓልቲ ኸተምጽኣ ኢኻ፡ ሽዑ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ እዮም።
22 ኲሉ እከዮም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ብኽያተይ በዚሑ፡ ልበይ ተሐሊሉ እዩ እሞ፡ ከምቲ ብሰሪ ዂሉ ኣበሳይ ዝገበርካኒ፡ ከምኡ ድማ ንኣታቶም ግበሮም።

1 ከመይ ኢሉ ዀን እግዚኣብሄር ብዂራኡ ንጓል ጽዮን ብደበና ኣጐልበባ። ንኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ኸኣ ንድኳ ኣእጋሩ ኣይዘከረን።
2 እግዚኣብሄር ንዂሉ መሓድር ያእቆብ ብዘይ ምሕረት ወሐጦ፡ ብቚጥዓኡ ንዕርድታት ጓል ይሁዳ ኣፍረሶ፡ ኣሕመድመዶ፡ መንግስትን መሳፍንታን ከኣ ኣርከሰ።
3 በቲ ጒሁር ኲራኡ ድማ ንዂሉ ቐርኒ እስራኤል ሰልዔ፡ ካብ ጸላኢ ኸኣ ንየማነይቱ መለሳ፡ ከምቲ ንኸባቢኡ ዚልቚምጽ ሃልሃልታ ሓዊ ንያእቆብ ሞዂ ኣበሎ።
4 ከም ጸላኢ ቐስቱ ገተረ፡ ከም ወደረኛ የማኑ ኣልዐለ፡ ንዓይኒ ዜብህግ ዘበለ ቐተለ፡ ኣብቲ ድንኳን ጓል ጽዮን ነድሩ ኸም ሓዊ ኸዐወ።
5 እግዚኣብሄር ከም ጸላኢ ዀነ፡ ንእስራኤል ወሐጣ፡ ንዂሉ ኣዳራወታ ወሐጦ፡ ንዕርድታታ ኣፍረሶ፡ ኣብ ጓል ይሁዳ ኸኣ ዋይዋይን ቊዝማን ኣብዝሔ።
6 ድንኳን ኸም ኣታኽልቲ መንቈሰ፡ ንስፍራ መኣከቢኡ ኣፍረሰ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ንበዓልን ሰንበትን ኣረስዖ፡ ብዂራ ነድሩውን ንንጉስን ካህንን ኣቃለለ።
7 እግዚኣብሄር መሰውኢኡ ደርበየ፡ መቕደሱውን ንሕርሚ ወፈየ፡ ቀጽሪ ኣዳራወታ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ኣሕለፈ፡ ከም ብመዓልቲ በዓል ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓው ኢሎም ጨደሩ።
8 እግዚኣብሄር ንቐጽሪ ጓል ጽዮን ኬፍርስ መደበ፡ ገመድ መለክዒ ዘርግሔ፡ ካብ ምጥፋእሲ ኢዱ ኣይመለሰን። ሓጹርን ቀጽርን ኣሕዘነ፡ ኲሉ ብሓደ ማሰነ።
9 ደጌታታ ኣብ ምድሪ ጠሐለ፡ ንመሃርሃሪታታ ኣብረሶ፡ ሰባበሮ፡ ንጉሳን መሳፍንታን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣለዉ፡ ደጊም ሕጊ የልቦን። ነብያታውን ራእይ ካብ እግዚኣብሄር ኣይረኽቡን።
10 እቶም ዓበይቲ ጓል ጽዮን ትም ኢሎም ኣብ ምድሪ ይቕመጡ ኣለዉ፡ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስነሱ፡ ከሊውን ለበሱ። ደናግል የሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።
11 ብምኽንያት ጒድኣት ጓል ህዝበይ ሕጻናትን ዕሸላትን ኣብ ኣደባባያት ከተማ ስለ ዘሕለለዉ፡ ኣዒንተይ ብንብዓት ተበላሸወ፡ ኣምዑተይ ተዀሰ፡ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዂዖ።
12 ኣበይ ኣሎ እኽልን ወይንን? እናበሉ ነዴታቶም ይሐቱ፡ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ኸም ውጉኣት ኣሕለልዮም ራዕ ይብሉ ኣለዉ፡ ነፍሶም ናብ ሕቚፊ ኣዴታቶም ትኲዖ ኣላ።
13 ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እንታይ ክምስክረልኪ? ብምንታይ እሞ እየ ዘምዓራርየኪ? ከጸናንዓክስ ብምንታይ እየ ዝምስለኪ? ኣቲ ድንግል ጓል ጽዮን፡ መስበርትኺ ዓብዪ ኸም ባሕሪ እዩ እሞ፡ መን የሕውየኪ?
14 ነብያትኪ ኸንቱን ጥበራን ረኣዩልኪ፡ ንግራት ከንቱነትን ምርኮን ረኣዩልኪ እምበር፡ ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ኣበሳኺ ኣይቀልዑልክን።
15 ኲሎም ሓለፍቲ መገዲ ንጓል የሩሳሌም፡ እዚኣዶ እያ እታ ፍጹም ዝመልክዓ፡ ሓጐስ ኲሉ ምድሪ እትብሀል ከተማ? ኢሎም ይፋጽዩላ፡ ርእሶም ይንቕንቑላ፡ ኣላጊጾም ኣእዳዎም የጣቕዑላ።
16 ኲሎም ጸላእትኺ ኣፎም ኣባኺ ይኸፍቱ፡ ውሒጥናያ፡ ብሓቂ እዚኣስ እታ እተጸቤናያ መዓልቲ እያ፡ ኣርከብናላን ርኤናያን፡ ኢሎም እናፋጸዩ ኣስናኖም ይነኽስኩ ኣለዉ።
17 እግዚኣብሄር ነቲ ዝሐለኖ ገበረ፡ ነቲ ኻብ ጥንቲ ሒዙ ዝነገረሉ ቓል ፈጸመ። ኣፍረሰ እሞ ኣይደንገጸን፡ መሓጐስ ጸላኢውን ገበረኪ፡ ቀርኒ ተጻረርትኺ ኣልዐለ።
18 ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ፡ ኣቲ ቐጽሪ ጓል ጽዮን፡ ለይትን መዓልትን ከም ውሒዝ ኴንኪ፡ ንብዓት ኣውሕዚ፡ ከቶ ኣይትዕረፊ፡ መርዓት ዓይኒኺ ኣይተዕርፊ።
19 ኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢ፡ ብለይቲ ጨድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ከዐዊ። ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ ጠምዮም ዜሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።
20 ጐይታየ፡ ርኤ እሞ ጠምት፡ ንመንከ ኸምዚ ገበርካዮ? ኣንስቲዶ ፍረ ማሕጸነን ዚሐቚፋኦም ሕጻናት ይበልዓ? ካህንን ነብይንዶ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይሕረዱ?
21 ቈልዑን ኣረገውትን ኣብ መሬት ኣብ ኣደባባያት ተራዒቶም ኣለዉ፡ ጐረዞይን ኣጒባዘይን ከኣ ብሰይፊ ወደቑ። ብመዓልቲ ዂራኻ ቐተልካዮም፡ ብዘይ ድንጋጽ ሐረድካዮም።
22 ንመፍርህየይ ካብ ኲሉ ወገን ከም ብመዓልቲ በዓል ጸዋዕካለይ። ብመዓልቲ ዂራ እግዚኣብሄር ዜምልጥን ዚተርፍን የልቦን። ነቶም ዝሐቘፍክዎምን ዘዕቤኽዎምን እቲ ጸላእየይ ኣጽነቶም።

1 ኣነ ብሸቦጥ ቊጥዓኡ ሽጋር ዝርኤኹ ሰብኣይ እየ።
2 ንሱ መርሓኒ፡ ብብርሃን ዘይኰነስ ብጸልማት ወሰደኒ።
3 ብሓቂ መመሊሱ መዓልቲ ብመልኣ ኢዱ ኣባይ ይመልስ ኣሎ።
4 ንስጋይን ቈርበተይን ኣእረጎ፡ ንዓጻጽምተይ ሰበሮ።
5 ኣብ ከባብየይ ቀጽሪ ሰርሔ፡ ብመርዝን ድኻምን ከኣ ሓጸረኒ።
6 ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት ኣንበረኒ።
7 ከይወጽእሲ ብመንደቕ ከበበኒ፡ ንሰንሰለተይ ኣኽበዶ።
8 እንተ ጠራዕኩን ኣእዌኹን እኳ፡ ንጸሎተይ መሕለፊ ዐጸወሉ።
9 ብቕሩጽ እምኒ ንጐደናታተይ ዐጸዎ፡ ንመገድታተይ ጥውጥዋይ ገበሮ።
10 ከም ዘድበየ ድቢ፡ ተሐቢኡ ኸም ዚቃጾ ኣንበሳ ዀነኒ።
11 ንመገደይ ኣዘምበሎ፡ ሰባበረኒ ኣዕነወኒውን።
12 ቀስቱ ገተረ፡ ንፍላጻ ኸኣ ዕላማ ገይሩ ኣቘመኒ።
13 ብፍላጻታት ጒልድባኡ ዀላሊተይ ወግኤ።
14 መላገጺ ዂሉ ህዝበይ፡ መዓልቲ ብመልኣ መድረፊኦም ኰንኩ።
15 ብመሪር ኣጽገበኒ፡ ዕረ ኣስተየኒ።
16 ኣስናነይ ብጸጸር ሰበረ፡ ብሓመዂስቲ ኣጐልበበኒ።
17 ነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሐቕካ፡ ነቲ ጽቡቕ ረሳዕክዎ።
18 ኣነ ኸኣ፡ ሓይለይን ብእግዚኣብሄር ተስፋይን ህልም በለ፡ በልኩ።
19 ሽጋረይን ኰብለል ምባለይን፡ እቲ ዕረን መርዝን ዘክር።
20 ነፍሰይ ከየባተኸት ትዝክሮ፡ ኣብ ውሽጠይ ከኣ ደኒና ኣላ።
21 እዚ ኣብ ልበይ ኤንብር፡ ስለዚ ድማ ተስፋ እገብር።
22 ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ።
23 ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።
24 ነፍሰይሲ፡ ግደይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ስለዚ ብእኡኡ ተስፋ እገብር፡ ትብል ኣላ።
25 እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።
26 ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ።
27 ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ።
28 ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፡ ትም ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።
29 ምናልባሽ ተስፋ ይህልዎ እዩ፡ ኣፉ ደኣ ኣብ ሓመድ የድንን፡
30 ንዚወቕዖ መልትሑ ይምለሰሉ ብጸርፊውን ይጽገብ።
31 እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ኣይውግድን እዩ እሞ፡
32 እንተ ኣጒህየ እኳ፡ ከምቲ ብዝሒ ጸጋኡ ይርሕርሕ እዩ።
33 ንደቂ ኣዳም ዜዋርዶምን ዜጒህዮምንሲ ብፍታው ልቡ ኣይኰነን።
34 ንዂሎም እሱራት ምድሪ ኣብ ትሕቲ እግሪ ምርጋጾም፡
35 ኣብ ቅድሚ ገጽ እቲ ልዑል መሰል ሰብኣይ ምቕናኖም፡
36 ንሰብ ብነገሩ ዓጋቢ ምግባርሲ፡ ነዚዶ እግዚኣብሄር ኣይርእዮን እዩ?
37 እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞስ፡ እተዛረበ እሞ ዝዀነሉ መን እዩ?
38 ክፉእን ጽቡቕን ካብ ኣፍ እቲ ልዑልዶ ኣይወጽእን እዩ?
39 ስለምንታይ እቲ ህያው ሰብ የጒረምርም? ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ የጒረምርም።
40 መገድና ንተዐዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
41 ልብና ምስናይ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ነልዕል።
42 ንሕና በደልናን ዐሎናን፡ ንስኻውን ይቕረ ኣይበልካን።
43 ብዂራ ተጐልበብካን ሰጐጒካናን፡ ብዘይ ምሕረት ቀተልካ።
44 ጸሎት ከይሐልፍሲ፡ ደበና ተጐልበብካ።
45 ኣብ ማእከል ህዝብታት ጐሓፍን ፍንፋንን ገበርካና።
46 ኲሎም ጸላእትና ኣፎም ሃህ ኣበሉልና።
47 ፍርሃትን ጕድጓድን ምፍራስን ጥፍኣትን በጽሓና።
48 ብናይ ምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ ካብ ዓይነይ ውሒዝ ማይ ይውሕዝ ኣሎ።
49-50 እግዚኣብሄር ኣንቈልቊሉ ኽሳዕ ዚርእን፡ ካብ ሰማይ ክሳዕ ዚጥምትንሲ፡ ዓይነይ ከይዐረፈን ከየቛረጸን ዘርባሕባሕ ይብል ኣሎ።
51 ብምኽንያት ኲለን ኣዋልድ ከተማይ ዓይነይ ንነፍሰይ የሕዝና ኣሎ።
52 እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸም ዑፍ ሀደኑኒ።
53 ህይወተይ ኣብ ጒድጓድ ኣጥፍኡ፡ ኣብ ልዕለይ ከኣ እምኒ ደርበዩ።
54 ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሐዘ፡ ጥራስ ጠፍእኩ፡ በልኩ።
55 ካብ መዓሙቚ ጒድጋድ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ጸዋዕኩ።
56 ድምጸይ ሰሚዕካ፡ ካብ እህህታይን ጭርሓይን እዝንኻ ኣይትሕብኣዮ።
57 በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ ቐረብካ፡ ኣይትፍራህ፡ በልካ።
58 ዎ ጐይታይ፡ ንነገር ነፍሰይ ተጠበቕካ፡ ንህይወተይ ተበጆኻ።
59 ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኤኻ፡ ፍትሒ ኣውጽኣለይ።
60 ኲሉ እቲ ቒሞም፡ ኣባይ ዝጠለፍዎ ዂሉ ውዲቶም ርኤኻ።
61-62 ዎ ጐይታይ፡ ኲሉ ጸርፎም፡ ኲሉ ኣባይ ዝጠለፍዎ ውዲቶም፡ ከናፍር እቶም ተቓወምተይ፡ ምሉእ መዓልቲ እኩይ ዚመኽሩለይ ሰማዕካ።
63 ኣብ ምቕማጦምን ምትንሳኦምን እሞ ጠምት፡ ኣነስ መድረፊኦም ኰይነ ኣሎኹ።
64 ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ግብሪ ኣእዳዎም ሕነ ፍደዮም።
65 ድርቅና ልቢ ሃቦም፡ መርገምካ ኣውርደሎን።
66 ብቚጥዓ ስጐጎም፡ ካብ ትሕቲ ሰማይ እግዚኣብሄር ኣጽንቶም።

 

1 ከመይ ኢሉኸ እቲ ወርቂ ጸለመ፡ እቲ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ ተለወጠ። ኣእማን እታ መቕደስ ኣብ መኣዝን ኲሉ ኣደባባያት ተዘርወ።
2 እቶም ጭዋታት ደቂ ጽዮን፡ ከም ጽሩይ ወርቂ ዝኸበሩ፡ ከመይ ኢሎምከ ኸም ኣቓሑ መሬት፡ ከም ስራሕ ኣእዳው ሰራሕ መሬት ተቘጽሩ።
3 ወኻሩ እኳ ኸይተረፈ፡ ኣጣባተን ሂበን፡ ንዀራኲረን የጥብዋ። እታ ጓል ህዝበይ ግና ከም ሰገን በረኻ ጨከነት።
4 ልሳን እቲ ዕሸል ብጽምኢ ኣብ ትንሓጉ ጠበቐ። ቈልዑ እንጌራ ይልምኑ፡ ዚቘርሰሎም ከኣ የልቦን።
5 እቶም ጥዑም ምግቢ ዚበልዑ ዝነበሩ ኣብ ኣደባባያት ይወድቁ። እቶም ብቐይሕ ሃሪ ዝዐበዩ ጐድፍ ይሐቚፉ።
6 ኣበሳ እታ ጓል ህዝበይ ካብታ ኣእዳው ከይተንከያ፡ ብድንገት እተገልበጠት ሶዶም፡ ካብ ሓጢኣታ ይዐቢ።
7 መሳፍንቲ ኻብ በረድ ዜንጸባርቑ፡ ካብ ጸባ ዚጽዕድዉ፡ ስጋኦም ካብ ቀይሕ ዕንቊ ዚቐይሕ፡ መልክዖም ከም ሰፊሮስ ነበረ።
8 ገጾም ካብ ጸሊም ይጽልም፡ ኣብ ኣደባባያት ኣይልለዩን፡ ቈርበቶም ኣብ ዓጽሞም ጠቢቑ፡ ነቒጹ ኸም ዕጨይቲ ዀይኑ ኣሎ።
9 ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ ብሰይፊ ዝሞቱ ይሔሾም፡ ፍረ ምድሪ ስለ እተሳእነ፡ ተወጊኦም ይማስኑ።
10 ርሕሩሓት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፡ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።
11 እግዚኣብሄር ነድሩ ፈጸመ፡ ርሱን ቊጥዓኡ ኸዐወ፡ መሰረታታ ሞዂ ዘበለ ሓዊ ኣብ ጽዮን ኣንደደ።
12 ነገስታት ምድርን ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዂሎምንሲ ተጻራርን ጸላእን ብደጌታት የሩሳሌም ከም ዚኣቱ፡ ከቶ ኣይኣመኑን ነይሮም።
13 ብምኽንያት ሓጢኣት ነብያታን ብሰሪ ኣበሳ ኻህናታን፡ ንሳቶም ኣብ ማእከላ ደም ጻድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዚ ዀነ።
14 ሰብ ክዳውንቶም ንምትንካይ ክሳዕ ዚፍንፍን፡ ብደም ዝላላ ዀኑ፡ ከም ዕውራት ኰይኖም ኣብ ኣደባባያት ዕግንግን ይብሉ ኣለዉ።
15 ርሐቑ፡ ኣቱም ርኹሳት፡ ርሐቑ፡ ርሐቑ ኣይትተንክዩ፡ ኢሎም ይጭድሩሎም። ሀዲሞም ኰብለል በሉ። ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ድሕርዝስ ኣብዚ ኣይኪቕመጡን እዮም፡ ተባህለ።
16 ገጽ እግዚኣብሄር ፋሕ ኣበሎም፡ መሊሱ ቚሊሕ ኣይብሎምን፡ ንሳቶም ንኻህናት ኣየኽበሩን፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ኣይደንገጹን።
17 ንኸንቱ ደገፍ እናጠመትና፡ ገና ኣዒንትና ደኺመን ኣለዋ። ብምጽባይናስ ነቲ ምድሓን ዘይከኣሎ ህዝቢ ተጸቤና።
18 በደባባይና ኸይንኸይድ፡ ስጓሞና ይስልዩ፡ መወዳእታና ቐረባ፡ መዓልትታትና ኣኸለ፡ መወዳእታና በጽሔ።
19 ሰጐጒትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ቀልጠፉ፡ ኣብ ኣኽራን ሀደኑና፡ ኣብ ምድረ በዳ ኣድበዩልና።
20 እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፡ ብዛዕባኡ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ኽንነብር ኢና፡ ዝበልናዮ መተንፈስ ትንፋስና ኣብ ጐደጒዶም ተታሕዘ።
21 ኣቲ ኣብ ሃገር ኡጽ እትነብሪ ጓል ኤዶም፡ ተሐጐሲ፡ ደስ ይበልኪ፡ እቲ ጽዋእሲ ናባኺውን ኪሐልፍ እዩ፡ ክትሰክርን ጥራይኪ ኽትኰንን ኢኺ።
22 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣበሳኺ ተወድኤ፡ ደጊምሲ ኣይኬማርኽክን እዩ። ኣቲ ጓል ኤዶም፡ ኣበሳኺ ኪቘጽር እዩ፡ ሓጢኣትኪ ኺገልጽ እዩ።

1 ጐይታየ፡ እቲ ዝወረደና ዘክር፡ እቲ ነውርና ጠምትን ርኤን።
2 ርስትና ኣብ መጻእተኛታት፡ ኣባይትና ኣብ ጓኖት ሐለፈ።
3 ኣቦ ዜብልና ዘኽታማት ኰንና፡ ኣዴታትና ኸም መበላሉ ዀና።
4 ማይ ብዋጋ ንሰቲ፡ ዕጨይቲ ብመሸጣ ይመጸና።
5 ሰጐጒትና ኣብ ክሳድና እዮም፡ ተሐለልና፡ ዕረፍቲ ሰኣንና።
6 እንጌራ ምእንቲ ኽንጸግብሲ፡ ኢድና ንግብጽን ኣሶርን ወፌና።
7 ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፡ የለዉን ከኣ፡ ንሕና ድማ ኣበሳኦም ጾርና።
8 ባሮት ይገዝኡና ኣለዉ፡ ካብ ኢዶም ዜናግፈና ኸኣ የልቦን።
9 ኣብ ቅድሚ ሰይፊ በረኻ፡ ህይወትና እናተዋልኤት፡ እንጌራና ነምጽእ ኣሎና።
10 ካብቲ ረስኒ ጥሜት እተላዕለ ቈርበትና ኸም እቶን ጸለመ።
11 ኣንስቲ ኣብ ጽዮን፡ ደናግል ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኣተሐረቑ።
12 መሳፍንቲ በእዳዎም ተሐንቁ፡ ገጽ ኣረገውቲ ኣየኽበሩን።
13 ኣጒባዝሲ መጥሓን ተሰከሙ፡ ናእሽቱ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዕጨይቲ ሰንከልከል በሉ።
14 እቶም ኣረገውቲ ኣፍ ደገ፡ እቶም ኣጒባዝ ከኣ ደሃይ በገናኦም ሐደጉ።
15 ታሕጓስ ልብና ኣቋረጸ፡ ጓይላና ናብ ሓዘን ተለወጠ።
16 ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ፡ ሓጢኣት ጌርና ኢና እሞ፡ ወይለና።
17-18 ስለ እታ ወኻሩ ዝሐምበጣላ ዝባደመት ከረን ጽዮን፡ ስለዚ ልብና ተሐለለ፡ ስለዚ ኣዒንትና ጸልመታ።
19 ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዘለኣለም ትነብር፡ ዝፋንካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
20 ስለምንታይ ንሓዋሩ እትርስዓና? ንነዊሕ ዘመንስ እትሐድገና?
21 ጐይታየ፡ ናባኻ ምለሰና ንሕናውን ንምለስ። ንመዓልትታትና ኸምቲ ናይ ቀደም ሐድሶ።
22 ጠሪስካዶ ደርቢኻና ኢኻ? ኣዚኻዶ ዀሪኻልና ኣሎኻ?

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Cresta Help Chat
Send via WhatsApp
Translate »