ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ሆሴዕ (Hosea)

መጽሓፍ ሆሴእ ውድቀት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኣቚማ እያ ፣ መጽሓፍ ሆሴእ ንኣምልኾ ኣማልኽቲ ብዘይካ ንያህወህ (ኣምላኽ እስራኤል) ትነቕፎ እያ ፣ ህዝቢ እስራኤል እውን ብግዜ ሆሴእ ከምኡ ይገብሩ ነይሮም እዮም ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነቲ እስራኤላውያን ንህዝበ- ህግደፍ ዝጠንጠኑሉ መገዲ ምስ ሓንቲ ንሰብኣያ ዘይእሙን ዝዀነት ሰበይቲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ።

ትንቢተ ሆሴዕ (Hosea)

1 ብዘመን እቶም ነገስታት ይሁዳ፣ ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ብዘመን እቲ ንጉስ እስራኤል፣ የሮብዓም ወዲ ዮኣስን ንሆሴእ ወዲ ብኤሪ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ።
2 እግዚኣብሄር ብሆሴእ ኪዛረብ ምስ ጀመረ፣ እግዚኣብሄር ንሆሴእ፣ እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ትምንዝር ኣላ እሞ፣ ኪድ፣ ውሉድ ምንዝርና ዘለውዋ ሰበይቲ ምንዝርና ኣእቱ፣ በሎ።
3 ከደ እሞ ንጎሜር ጓል ዲብላይም ኣእተወ። ንሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትሉ።
4-5 እግዚኣብሄር ድማ፣ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ንደም ይዝሬኤል ኣብ ልዕሊ ቤት የሁ ኸውርዶ፣ ንመግስቲ ቤት እስራኤል ከኣ ከጥፍኣ እየ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ይዝሬኤል ክሰባብሮ እየ እሞ፣ ስሙ ይዝሬኤል ኢልካ ስመዮ፣ በሎ።
6 ከም ብሓድሽ ከኣ ጠነሰት ጓል ድማ ወለደት። በሎውን፣ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ይቕረ ኢለ ከቶ ኣይክምሕሮምን እየ እሞ፣ ስማ ሎሩሓማ ኢልካ ስመያ።
7 ንቤት ይሁዳ ግና ክምሕሮም እየ። ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፣ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትንሲ ኣየድሕኖምን እየ።
8 ንሎሩሓማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ፣ ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት።
9 እግዚኣብሄር ድማ፣ ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን፣ ኣነውን ናትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፣ ስሙ ሎዓሚ ኢልካ ስመዮ፣ በሎ።
10 ግናኸ ፍቕዲ ደቂ እስራኤል ኸምቲ ኺስፈርን ኪፍቀድን ዘይከኣል ሑጻ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፣ ኣብቲ፣ ህዝበይ ኣይኰንኩምን እተባህለሉ ስፍራ ኸኣ፣ ንስኻትኩም ደቂ ህያው ኣምላኽ ኢኹም፣ ኪብልዎም እዮም።
11 መዓልቲ ይዝሬኤል ዓባይ እያ እሞ፣ ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን ሓቢሮም ኪእከቡ፣ ንርእሶም ሓደ ሓለቓ ኺገብሩ፣ ካብታ ሃገርውን ኪወጹ እዮም።

1 ነሕዋትኩም፣ ዓሚ፣ ንኣሓትኩም ከኣ፣ ሩሓማ፣ በሉ።
2 ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትን፣ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኰንኩን እሞ፣ ምስኣ ተኻትዑ፣ ተኻትዑ፣ ምንዝርናኣ ካብ ገጻ፣ ዝሙታ ኸኣ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ።
3 እንተ ዘይኰነስ ገፊፈ ኸምታ እተወልደትላ መዓልቲ ጥራያ ኸንብራ፣ ከም ምድረ በዳ ኽገብራ፣ ከም ንቑጽ ምድሪ ኸንብራ፣ ብጽምኢውን ክቐትላ እየ።
4 ደቃ ድማ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፣ ኣይክምሕሮምን እየ።
5 ኣዲኦም መንዚራ እያ እሞ፣ እታ ዝጠነሰቶም ነወረት። ደድሕሪ እቶም እንጌራይን ማየይን ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔይን ዘይተይን መስተይን ዚሀቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ፣ ኢላ እያ እሞ፣
6 ስለዚ እንሆ፣ ንጐደናኺ ብእሾዅ ክሐጽሮ፣ መገድታታ ከይትረኽቦስ፣ ብቐጽሪ ክቐጽራ እየ።
7 ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ፣ ግናኸ ኣይከተርክቦምን፣ ክትደልዮም፣ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ፣ ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፣ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣያይ ክምለስ እየ፣ ክትብል እያ።
8 ንሳ፣ ስርናይን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሀብክዋ፣ እቲ ንበዓል ዝገበርዎ ብሩርን ወርቅን ከም ዘብዛሕኩላ፣ ኣይፈለጠትን።
9 ስለዚ ንስርናየይ ብግዜኡ፣ ንወይነይ ከኣ ብወርሓቱ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትኸድነሉ ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔይን ድማ ክምንዝዓ እየ።
10 ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈተውታ ሓፍረታ ክቐልዓ እየ፣ ሓደ እኳ ካብ ኢደይ ዜድሕና የልቦን።
11 ኵሉ ሓጐሳን በዓላታን ሰርቂ ወርሓን ሰናብታን ኵሉ ዓበይቲ በዓላታን ከጥፍእ እየ።
12 ነቲ፣ ፈተውተይ ዝሀቡኒ ደመወዘይ እዚ እዩ፣ ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከብርሶ፣ ዱር ከኣ ክገብሮ እየ፣ ኣራዊት መሮርውን ኪበልዕዎ እዮም።
13 ብምኽንያት እተን ንበዓላት ዝዐጠነትለን መዓልትታት ክቐጽዓ እየ፣ ብቐለቤታን ብስልማታን ተጋይጽ፣ ደድሕሪ ፈተውታን ትስዕብ ነበረት፣ ንኣይ ግና ረስዓትኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
14 ስለዚ እንሆ፣ ኣነ ኽሓባብላ፣ ናብ በረኻ ኽወስዳ፣ ንልባ ኸኣ ክዛረብ እየ።
15 ካብኡ ኣታኽልቲ ወይና፣ ለሰ ኣኮር ከኣ ከም ደገ ተስፋ ክህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፣ ከምቲ በታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።
16 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፣ ድሕርዚ ኸኣ በዓለይ ኢልኪ ኣይክትጽውዕንን ኢኺ።
17 ኣነ ድማ ስም በዓላት ካብ ኣፋ ኸውጽእ እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ስሞም ኣይኪዝከርን እዩ።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክኣትወሎም እየ፣ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ክሰብሮ፣ ብደሓንውን ከንብሮም እየ።
19 ንዘለኣለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፣ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ።
20 ብእምነት ከኣ ንኣይ ክሕጸየኪ፣ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኺ።
21 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኣነ ኽመልስ እየ፣ ንሰማይ ክመልሰሉ፣ ንሱ ኸኣ ንምድሪ ኺመልሰላ እዩ።
22 ምድሪ ድማ ንስርናይን ወይንን ዘይትን ክትመልሰሉ እያ። እዚውን ንይዝሬኤል ኪመልሰሉ እዩ።
23 ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ንኣይ ክዘርኦ እየ፣ ንሎሩሓማ ኸኣ ክምሕራ እየ፣ ንሎዓሚ ድማ፣ ንስኻ ህዝበይ ኢኻ፣ ክብሎ እየ። ንሱውን፣ ኣምላኽይ፣ ኪብለኒ እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ከኣ፣ መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቅጫ ዘቢብ ዚፈትዉን ደቂ እስራኤል ሰበይቲ ፍቶ፣ በለኒ።
2 ኣነ ኸኣ ብዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ብሩርን ብሆመር ስገምን ብለተክ ስገምን ንኣይ ዐደግክዋ።
3 ብዙሕ መዓልትታት ተጸበይኒ፣ ኣይትመንዝሪ፣ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፣ ኣነውን ከምኡ ኽገብረልኪ እየ፣ በልክዋ።
4 ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፎድን ተራፊምን ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም።
5 ደሓር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ኪደልዩ ኺምለሱ፣ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ እዮም።

1 ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ፣ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ።
2 መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ፣ ደም ንደም ተጻናበረ።
3 ስለዚ እታ ሃገር ክትሐዝን፣ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶም ምስ ኣራዊት መሮርም ኣዕዋፍ ሰማይን ኬሕለልዉ፣ ዓሳ ባሕሪውን ኪውድኡ እዮም።
4 ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚካታዕ እዩ፣ እምብኣርሲ ሓደ እኳ ኣይካታዕ፣ ሓደ እኳ ኣይግናሕ።
5 ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፣ እቲ ነብዪ ኸኣ ምሳኻ ብለይቲ ኺወድቕ እዩ፣ ኣነውን ነዴኻ ኽድምስሳ እየ።
6 ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
7 ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ።
8 ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለቡ፣ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ ኣሎ።
9 እቲ ካህን ከኣ ከምቲ ህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ድማ ብሰሪ ኣካይዳኦም ክቐጽዖም፣ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ።
10 ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ሓዲጎም እዮም እሞ፣ ይበልዑ ኣይጸግቡን ከኣ፣ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን ድማ።
11 ምንዝርናን ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ።
12 መንፈስ ምንዝርናን ኣስሒትዎም፣ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም መንዚሮም እዮም እሞ፣ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሐትት፣ በትሩውን ይነግሮ።
13 ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፣ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ከኣ፣ ኣብ ትሕቲ ኣውሕን ስየን ጽሕድን፣ ጽላሎም ጽቡቕ እዩ እሞ፣ ይዐጥኑ። ስለዚ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፣ መራዕኹም ድማ ይዝምዋ።
14 ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዝር የግልሱ፣ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ ኣለዉ እሞ፣ ኣዋልድኩም ምስ ኣመንዘራ መራዕኹምውን ምስ ዘመዋ፣ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ኪውድቕ እዩ።
15 ኣታ እስራኤል፣ ንስኻ እንተ መንዘርካ፣ ይሁዳ ኣይበድል። ናብ ጊልጋል ኣይትእተዉ፣ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ ኣይትውጹኡ፣ ህያው እግዚኣብሄር ኢልኩም ከኣ ኣይትምሐሉ።
16 እስራኤል ከም ሕንግድ ኣርሒ ሐንጊዱ እዩ እሞ፣ ሕጂ እግዚኣብሄር ከም ዕየት ኣብ ገፊሕ ቦታ ኺጓስዮ እዩ።
17 ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሐቢሩ እዩ፣ ሕደጎ።
18 ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፣ ምንዝርና የብዝሑ፣ ሓላቑኣ ኣዝዮም ነውሪ ይፈትዉ።
19 ንፋስ በኽናፉ ይኣስራ፣ ንሳቶምውን ብመስዋእቶም ኪሐንኩ እዮም።

1 ኣብ ሚጽጳ መንፈጠራ፣ ኣብ ታቦር ከኣ እተዘርግሔት መርበብ ስለ ዝዀንኩም፣ ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናት፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ኣድህቡ፣ ኣቱም ቤት ንጉስ፣ ጽን በሉ።
2 እቶም ዓለወኛታት ኣብዚሖም ይሐርዱ፣ ኣነ ግና ነዚኣቶም ኵሎም ክቐጾዖም እየ።
3 ኣታ ኤፍሬም፣ ንስኻ ሕጂ መንዚርካ፣ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፣ እስራኤልውን ኣይተሰወረንን።
4 መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም ኣሎ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፣ ናብ ኣምላኾም ከይምለሱስ ግብሮም ይኸልኦም።
5 ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር። እስራኤልን ኤፍሬምን ከኣ ብኣበሳኦም ይወድቁ፣ ይሁዳውን ምስኦም ይወድቕ።
6 ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ ይኸዱ፣ ግናኽ ኣይረኽብዎን፣ ንሱስ ካብኦም ርሒቑ እዩ።
7 ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሒ ምስ ርስቶም ኪውሕጦም እዩ።
8 ኣብ ጊብዓ ቐርኒ፣ ኣብ ራማ ኸኣ መለኸት ንፍሑ፣ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ፣ ኣታ ብንያም፣ ኣብ ድሕሬኻ፣ ኢልኩም ኣእውዩ።
9 ኤፍሬም ብመዓልቲ ቕጽዓት ኪባድም እዩ፣ ኣነ ኣብ ነገድ እስራኤል ርግጽ ነገር ኣፍለጥኩ።
10 ሓላቑ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዚደፍኡ እዮም፣ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ከም ማይ ክኽዑ እየ።
11 ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ምኻድ ፈትዩ እዩ እሞ፣ ግፉዕ፣ ብፍርዲ ኸኣ ውጹዕ እዩ።
12 ስለዚ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፣ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ቍንቍነ እየ።
13 ኤፍሬም ሕማሙ፣ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረኣየ፣ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፣ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለኣኸ፣ ግናኸ ኬጥዕየኩም ኣይከኣሎን፣ ካብ ቍስልኹም ከኣ ኣይኬሕውየኩምን እዩ።
14 ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፣ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ፣ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፣ ክወስድ እየ፣ ዜድሕን ድማ የልቦን።
15 በደሎም ክሳዕ ዚፈልጡ ገጸይ ከኣ ክሳዕ ዚደልዩ፣ ኣነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም ኣንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም።

1 ንሱ ቐደደ፣ ኬጥዕየና ኸኣ እዩ፣ ንሱ ወቕዔ፣ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፣ ንዑናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
2 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።
3 ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፣ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ንሱ ኸም ዝናም፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።
4 ዎ ኤፍሬም፣ እንታይ ክገብረካ እየ∶ ዎ ይሁዳ፣ እንታይ ክገብረካ እየ∶ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት፣ ከምቲ ኣንጊሁ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ።
5 ስለዚ ብነብያት ቈረጽክዎም፣ ብቓል ኣፈይ ቀተልክዎም፣ ፍርደይ ድማ ከም ብርሃን ይወጽእ።
6 ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፣ መስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።
7 ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ፣ በዚውን ጠለሙኒ።
8 ጊልዓድ ብደም እተዐለሰት ከተማ ኣበሰኛታት እያ።
9 ከምቲ ኸተርቲ ንሰብ ዜድብዩሉ፣ ከምኡ ድማ እቶም ኣኼባ ካህናት ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ፣ እወ፣ ሕሰም ይገብሩ።
10 ኣብ ቤት እስራኤል ዜስክሕ ነገር ርኤኹ፣ ምንዝርና ኤፍሬም ኣብኡ እዩ፣ እስራኤል ከኣ ረኸሰ።
11 ንምርኮ ህዝበይ ምስ መለስክዎ፣ ኣታ ይሁዳ፣ ንኣካ ድማ ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።

1 ሓሶት የዘውትሩ፣ ሰራቒ ይኣቱ፣ ጭፍራ ኸተርቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፣ ንእስራኤል ከሕውዮም ምስ ደሌኹ፣ ሽዑ ኣበሳ ኤፍሬምን ሕሰም ሰማርያን ተገልጸ።
2 ኣነ ንዅሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ፣ ብልቦም ኣይብሉን። ሕጂ ግብሮም ይኸቦም፣ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከኣ ኣሎ።
3 ንንጉስ ብእከዮም ንመሳፍንቲ ድማ ብሓሶቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።
4 ኵላቶም ዘመውቲ እዮም። ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶን እዮም። ንሱ፣ እቲ ብሑቝ ካብቲ ዘቈምጥዖ ኽሳዕ ዚበኵዕ፣ ምቑስቍስ ይሐድግ።
5 ብመዓልቲ ንጉስና እቶም መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ንርእሶም ኣሕመሙ፣ ምስቶም መላገጽቲ ኢዱ ዘርግሔ።
6 ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣዳለውዎ፣ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፣ ንግሆ ኸኣ እቲ እቶን ሃልሃል ከም ዚብል ሓዊ ይነድድ።
7 ኵላቶም ከም እቶን ይረስኑ ንፈራዶኦም ከኣ ይውሕጥዎም። ኵሎም ነገስታቶም ወደቑ፣ ካብታቶም ሓደ እኳ ዘጽውዓኒ የልቦን።
8 ኤፍሬም ምስ ህዝብታት ይጸናበር ኣሎ፣ ኤፍሬም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።
9 ሓይሉ ኣጋይስ ይበልዕዎ፣ ንሱውን ኣይፈልጦን። ሽበት ተነዝሖ፣ ንሱውን ኣይፈልጦን።
10 ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር፣ ግናኸ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይምለሱን፣ በዚ ዅሉውን ኣይደልይዎን።
11 ኤፍሬም ከም ልቢ ዜብላን ዓሻን ርግቢ ዀነ፣ ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ፣ ናብ ኣሶር ይኸዱ።
12 ኪኸዱ ኸለዉ መርበበይ ክዝርግሓሎም፣ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም፣ ከምቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጽዖም እየ።
13 ካባይ ሀዲሞም እዮም እሞ፣ ወይለኦም። በዲሎምኒ እዮ እሞ፣ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን። ኣነስ መድሐንክዎም፣ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛረቡለይ።
14 ኣብ ምድቃሶም ኰይኖም ይበኽዩ ኣለዉ እምበር፣ ብልቦም ናባይ ኣይድሀዩን። ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፣ ንኣይእንከ ዐለዉኒ።
15 ኣነ ገሰጽክዎም፣ ቅልጽሞም ከኣ ኣበርታዕኩ፣ ንሳቶም ግና እከይ ይሐስቡለይ ኣለዉ።
16 ንሳቶም ይምለሱ ኣለዉ፣ ናብቲ ልዑል ግና ይኰኑን። ከም መታለሊ ቐስቲ ዀኑ። መሳፍንቶም ብሰሪ ዅራ ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ሃገር ግብጺ መላገጺ ኪዀኖም እዩ።

1 መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፣ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፣ ሕገይ ከኣ ግሂሶም እዮም እሞ፣ ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ኪወርድ እዩ።
2 ንሳቶም፣ ኣምላኸይ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና፣ ኣናበሉ ናባይ ኬእውዩ እዮም።
3 እስራኤል ንሰናይ ደርብዮ፣ ጸላኢ ኺሰጎ እዩ።
4 ነገስታት ኣንገሱ፣ ግናኸ ብኣይ ኣይኰነን፣ መሳፍንቲ ገበሩ፣ ኣነውን ኣይፈለጥኩን። ምእንቲ ኺጠፍኡስ ብብሩሮምን ብወርቆምን ንርእሶም ጣኦታት ገብሩ።
5 ዎ ሰማርያ፣ ብተይካ ደርበየካ፣ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነደደ፣ ክሳዕ መኣዝ እዮም ኪጸርዩ ዘይከኣሎም∶
6 እዚ ኸኣ ካብ እስራኤል እዩ፣ ንሱ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ሓደ ዓያዪ ዝገበሮ እዩ። ብተይ ሰማርያ ኺሰባበር እዩ።
7 ንፋስ ይዘርኡ ኣለዉ፣ ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም። ቃንጫ የብሉን፣ እቲ ብቋልያ ሓርጭ ኣየውጽእን። እንተ ኣውጽኤ እኳ፣ ጓኖት ምወሐጥዎ።
8 እስራኤል ተዋሕጠ። ሕጂ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ዀኑ።
9 ከምቲ ንበይኑ ዚነብር ኣድጊ ኸደን ናብ ኣሶር ውጺኦም ኣለዉ። ኤፍሬም ብህያብ ፈተውቲ ገበረ።
10 ንህዝብታት እኳ ህያብ እንተ ሀቡ፣ ኣነ ሎሚ ኽእክቦም እየ። ብጾር እቲ ንጉስ መሳፍንቲ ኸኣ ምውሓድ ኪጅምሩ እዮም።
11 ኤፍሬም ሓጢኣት ንምግባር መሰውኢታት ኣብዚሑ እዩ እሞ፣ እቲ መሰውኢታት ድማ ንሓጢኣት ኰኖ።
12 ኣእላፋት ሕገይ እኳ እንተ ጸሐፍኩሎም፣ ጓና ዀይኑ እዩ ዚቝጸር።
13 መስዋእተይ የቕርቡ፣ ስጋ ይስውኡ እሞ ይበልዕዎ፣ እግዚኣብሄር ግና ኣይቅበሎምን። ሕጂ ንኣበሳኦም ኪዝክሮ ንሓጢኣቶም ከኣ ኪቐጽዖ እዩ። ንሳቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም።
14 እስራኤል ንፈጣሪኡ ርስዖ፣ ኣዳራሻት ሀነጸ፣ ይሁዳ ኸኣ እተዐርደ ኸተማታት ኣብዝሔ። ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንሱውን ንግምብታቱ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

 

1 ዎ እስራኤል፣ ንኣምላኽካ ሐዲግካ መንዚርካ፣ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻ እሞ፣ ከም ህዝብታት ክሳዕ እልልታ ኣይትተሐጐስ።
2 ዓውድን መጽሙቝ ወይንን ኣይቅልቦምን፣ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ይጠልሞም።
3 ንሳቶም ኣብ ሃገር እግዚኣብሄር ኣይነብሩን፣ ኤፍሬምሲ ናብ ግብጺ ደኣ ይምለስ፣ ኣብ ኣሶር ድማ ርኹስ ብልዒ ይበልዑ።
4 ንእግዚኣብሄር ወይኒ ኣየፍስሱን፣ መስዋእቲ ሕሩዶም ከኣ ባህ ኣየብሎን፣ ንኣታቶም ከም እንጌራ ሓዘን ይዀኖም፣ ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ዅሉውን ይረክስ። እንጌራኦም ንርእሶም እዩ እሞ: ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን።
5-6 እንሆ፣ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱ፣ ግብጺ ትእክቦም፣ ሞፍ ድማ ትቐብሮም፣ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተዀርባ ይወርሶ፣ ኣብ ድንኳናቶም ከኣ እሾዅ ኣዩ እሞ፣ ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር እንታይ ክትገብሩ ኢኹም∶
7 መዓልትታት ቅጽዓት መጻ፣ መዓልትታት ፍዳ መጻ፣ እስራኤል ይፈልጦ እዩ፣ ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዕቤት ጽልእን ነብዪ ዐሸወ፣ እቲ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዐበደ።
8 ሓላዊ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ነበረ፣ ነቲ ነብዪ ኣብ ኵሉ መገዱ መፈንጥራ ኣዕዋፍ ይረኽቦ፣ ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ ኣሎ።
9 ከምቲ ብመዓልትታት ጊብዓ ዝዀነ፣ ኣዕሚቖም ተበላሸዉ። ንሱ ኣበሳኦም ይዝክር፣ ሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ።
10 ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ረኽብክዎ። ነቦታትኩም ከምቲ ኣብ እትብኰር ኦም በለስ ዘሎ ቐዳማይ ፍረ ርኤኽዎም፡፡ ንሳቶም ናብ በዓል፦ጴኦር ኣተወ፡ ንነውሪ ኸኣ ተፈልዩ፡ ከምቲ ዝፈተውዎ ድማ ፍንፉናት ኰኑ።
11 ክብረት ኤፍሬም ከም ዑፍ ኪነፍር እዩ፣ ድሕርዚ ሕርስን ድቅን ጥንስን የብሎምን።
12 ደቆም እንተ ኣዕበዩ ድማ፣ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፎም ውሉድ ዜብሎም ክገብሮም እየ፣ እወ፣ ኣነ ኻባታቶም ምስ ዝርሕቕ ወይለኦም።
13 ኤፍሬም ከምታ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እተተኽለት ጢሮስ ኰይኑ ርኤኽዎ፣ ግናኸ ኤፍሬምሲ ንደቁ ናብ ቀታሊ የውጽኦም።
14 ዎ እግዚኣብሄር፣ ሀቦም። እንታይ ክትህቦም∶ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጡብን ሀቦም።
15 ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ጊልጋል እዩ፣ ኣነ ኣብኡ ጸላእክዎም፣ ብሰሪ ኽፍኣት ግብሮም ከኣ ካብ ቤተይ እሰጎም፣ ድሕርዚ ኣየፍቅሮምን እየ፣ ኵሎም መሳፍንቶም ዓለወኛታት እዮም።
16 ኤፍሬም ተወቕዔ፣ ሱሮም ነቐጸት፣ ፍረ ኣይፈርዩን፣ እንተ ወለዱ እኳ፣ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።
17 ስለ ዘይሰምዕዎ፣ ኣምላኸይ ይድርብዮም፣ ንሳቶምውን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኰብለልቲ ይዀኑ።

 

1 እስራኤል ብዙሕ ዝጨናፍሩን ብዙሕ ፍረ ዚፈርን ወይኒ እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍሬኡ መሰውኢታት ኣብዝሔ፣ ከም መጠን ምጽባቕ ሃገሩ ሓውልትታት ኣጸበቐ።
2 ልቦም ተመቕለ፣ ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኽቡ። ንሱ ንመስውኢታቶም ይሰባብሮ፣ ንሓወልትታቶም ከኣ ሐሸምሸም የብሎ።
3 ኤረ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህናዮን እሞ፣ ንጉስ የብልናን፣ ንጉስከ እንታይ ኪገብረልና እዩ∶ ይብሉ።
4 ዘረባ ይዛረቡ፣ ብሓሶት ይምሕሉ፣ ኪዳን ይኣትዉ፣ ስለዚ ፍርዲ ኸም መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ይበቍል።
5 እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩ ስለ እቲ ብተይ ቤት-ኣዌን ይፈርሁ። ክብረት ኻብኡ ስለ ዝኸደ፣ እቲ ህዝቢ ንእኡ ይሐዝነሉ፣ እቶም ካህናት ጣኣታቱ ድማ ስሊኡ የንቀጥቅጡ።
6 ንሱ እኳ፣ ንንጉስ ያሬብ ኪውሀብሲ፣ ናብ ኣሶር ይውሰድ። ኤፍሬም ይሐፍር፣ እስራኤል ከኣ ብምኽሩ ይሐንኽ።
7 ሰማርያ ምስ ንጉሳ ኸም ዓፍራ ኣብ ልዕሊ ማይ ትጠፍእ።
8 እቲ በረኽቲ ቦታ ኣዌን፣ ሓጠኣት እስራኤልውን፣ይጠፍእ፣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢኦም እሾዅን ተዀርባን ይበቍል። ንሳቶም ከኣ ነኽራን፣ ክደኑና፣ ንዅርባታት ድማ፣ ውደቑና፣ ይብልዎም።
9 ዎ እስራኤል፣ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ገብርካ፣ ንሳቶም ኣብኡ ቘሙ፣ እቲ ኣብ ደቂ ኣበሳ ዝዀነ ውግእ ኣብ ጊብዓ ኣይረኽቦምን እዩ።
10 ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም እየ፣ ኣብቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩ፣ ህዝብታት ንጕድኣቶም ኪእከቡ እዮም።
11 ኤፍሬም መኼዳ ዝለመደት እሞ መኼዳ እትፈቱ ኣርሒ እዩ፣ ኣነ ግና በቲ ጽቡቕ ክሳዳ ሐለፍኩ። ንኤፍሬም ክጸምዶ እየ፣ ይሁዳ ኺሐርስ፣ ያእቆብውን ኪጕልጕል እዩ።
12 ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲ፣ ንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፣ ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፣ ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ፣ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ።
13 ንስኻ ብመገድኻ፣ ብብዝሒ ጀጋኑኻ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፣ ረሲእነት ሐረስኩም፣ ኣበሳ ዐጸድኩም፣ ፍረ ሓሶት በላዕኩም።
14 ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እታ ኣደ ምስ ደቃ ኽትጭፍለቕ ከላ፣ ሳልማን ብቤት-ኣርብኤል ዘጥፍኣ፣ ኣብ ማእከል ህዝብኻ ታዕታዕ ኪለዐል፣ ኵሉ ዕርድታትካውን ኪፈርስ እዩ።
15 ብሰሪ ሕሰም ክፍኣትኩም ቤት-ኤል ከምኡ ይገብረኩም፣ ምድሪ ኽወግሕ ከሎ ድማ፣ ንጉስ እስራኤል ጥራስ ይጠፍእ።

1 ንእስራኤል ህጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፣ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ።
2 ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሐቑ፣ ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከኣ ዐጠኑ።
3 ኣነ ንኤፍሬም ኣታቴኽዎ፣ ብቕልጽመይ ሐቘፍክዎም፣ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም፣ ኣይፈለጡን።
4 ኣነ ብገመድ ሰብ፣ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፣ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰንክዎም፣ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም።
5 ናብ ሃገር ግብጺ ኣይምለስን፣ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ኣሶራዊ ይነግሶ።
6 ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከኣ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኼንበጥብጥ፣ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ኪዀሞን ኪውሕጦን እዩ።
7 ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቡ ተሰቕለ፣ ናብቲ ልዑል ጸዊዖምዎም ክነሶም፣ ልዕል ዚብል ሓደ እኳ የልቦን።
8 ዎ ኤፍሬም፣ ከመይ ገይረ ክሐድገካ∶ዎ እስራኤል፣ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ∶ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ∶ ከም ጸቦይምዶኸ ኽንብረካ እየ∶ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፣ ኵሉ ምሕረተይ ነደደ።
9 ኣነስ ኣምላኽ እየ፣ ሰብ ኣይኰንኩን፣ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፣ ብነድሪ ቝጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፣ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፣ ንኤፍሬም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ።
10 ንሱ ይጓዝም፣ እቶም ደቂ ኸኣ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፣ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
11 ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፣ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፣ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
12 ኤፍሬም ብሓሶት፣ ቤት እስራኤል ከኣ ብተንኰል ከበቡኒ፣ ይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኰይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ።

1 ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፣ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ይስዕብ፣ ኵሉ መዓልቲ ሓሶትን ዓመጻን የብዝሕ፣ ምስ ኣሶር ኪዳን ይኣትዉ፣ ናብ ግብጺውን ዘይቲ ይወስዱ።
2 እግዚኣብሄርሲ ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፣ ንያእቆብ ከኣ ከም መጠን መገዱ ኪቐጽዖ፣ ከም መጠን ግብሩ ድማ ኪፈድዮ እዩ።
3 ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ ንሓዉ ብዅርዅሪኡ ሐዞ፣ ብምብርታዑ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።
4 ምስ መልኣኽ ተቓለሰ እሞ ኣሰነፈ፣ በኸየ፣ ለመኖ ኸኣ፣ ኣብ ቤት-ኤል ረኸቦ፣ ኣብኡውን ተዛረበና።
5 ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ስም መዘከርታኡ ድማ እግዚኣብሄር እዩ።
6 እምበኣርሲ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ፣ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፣ ኵሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር።
7 ከንኣናዊ እዩ፣ ኣብ ኢዱ ሓሳዊ ሚዛን ኣለዎ፣ ምጥዋይ ይፈቱ።
8 ኤፍሬም ከኣ፣ ኣነ ሀብተምኩ፣ ገንዘብ ኣጥሬኹ፣ ኣብ ኵሉ ጻዕረይ ሓጢኣት ዚኸውን ኣበሳ ኣይርከበንን፣ በለ።
9 ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፣ ከምቲ ብመዓልቲ በዓል ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ከንብረካ እየ።
10 ንነብያት ከኣ ተዛረብኩ፣ ራእይ ድማ ኣብዛሕኩ፣ ብነብያት ገይረ ምስላታት ነገርኩ።
11 ጊልዓድ ዓመጻ እንተ ዀነ፣ ከንቱነት ጥራይ እዮም። ኣብ ጊልጋል ዝራብዓት ይስውኡ፣ መሰውኢታቶም ከኣ ኣብ ነግሒ ግራት ከም እተዀመረ ኣእማን ኪኸውን እዩ።
12 ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሀደመ፣ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝኤ፣ ምእንቲ ሰበይቲ ኸኣ ጓሳ ዀነ።
13 ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ነብዪ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፣ ብኢድ ነብዪ ኸኣ ሐለዎ።
14 ኤፍሬም ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፣ ስለዚ ጐይታኡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ ኼውርደሉ፣ ጸርፉውን ኣብ ልዕሊኡ ኪመልሰሉ እዩ።

 

1 ኤፍሬም ምስ ዚዛረብ፣ ስምባድ ይኸውን ነበረ። ንሱ ኣብ እስራኤል ልዕል በለ፣ ንበዓል ብምግልጋሉ ምስ በደለ ግና ሞተ።
2 ሕጂ ኸኣ እናወሰኹ ሓጢኣት ይገብሩ ኣለዉ። ንሳቶም ንርእሶም ከም ምስትውዓሎም ገይሮም ጣኦታት፣ ብብሩሮም ፍሱስ ምስልታት፣ ይገብሩ ኣለዉ፣ ኵሎም ዕዮ ብልሓተኛታት እዮም። ብዛዕባኦም ከኣ፣ እቶም ዚስውኡ ሰባት ነቶም ብተያት ይሳለምዎም፣ ይብሉ።
3 ስለዚ ንሳቶም ከም ደበና ብጊሓት፣ ከምቲ ኣንጊሁ ዚዘፍፍ ኣውሊ፣ ከምቲ ካብ ዓውዲ ብንፋስ ዚብተን ብቝቡቝ፣ ከምቲ ብመስኰት ዚወጽእ ትኪ ይዀኑ።
4 ግናኸ ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፣ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፣ ብጀካይ ድማ መድሓኒ የልቦን።
5 ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፣ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ፈለጥኩኻ።
6 ብመጠን መጓሰዪኦም ጸገቡ፣ ጸገቡ እሞ ልቦም ተዐበየ፣ ስለዚ ረስዑኒ።
7 ኣነ ድማ ከም ኣንበሳ ዀንክዎም፣ ከም ነብሪ ኸኣ ኣብ መገዲ ኤድቢ ኣሎኹ።
8 ኰረዅራ ኸም ዘግደፍዋ ድቢ ዀይነ ህሩጕ እብሎም፣ ነቲ መሸፈኒ ልቦም ከኣ እቐዶ፣ ኣብኡ ድማ ከም ዋዕሮ እውሕጦም፣ ኣራዊት በረኻውን ይሰላልዕዎም።
9 ዎ እስራኤል፣ ንኣይ ንሓገዝካ ምጽራርካስ ጥፍኣትካ እዩ።
10 ንጉስካ ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኼድሕነካስ ኣበይ ኣሎ∶ እቶም ብዛዕባኦም፣ ንጉስን መሳፍትን ሀበኒ፣ ዝበልካሎም ፈራዶኻኸ ኣበይ ኣለዉ∶
11 ብዅራይ ንጉስ ሀብኩኻ፣ ብቝጥዓይ ድማ ክስዕሮ እየ።
12 ኣበሳ ኤፍሬም ተጠሚሩ፣ ሓጢኣቱ ተነቢሩ ኣሎ።
13 ከም እትሐርስ ሰበይቲ ቕልውላው ይመጾ፣ ጊዜ ምስ በጽሔ፣ ንምላድ ኣይቀርብን እዩ እሞ፣ ዘይለባም ወዲ እዩ።
14 ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፣ ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት፣ ፌራኻ ኣበይ ኣሎ∶ ኣታ ሲኦል፣ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ∶ ጣዕሳ ካብ ኣዒንተይ ተሐብኤት።
15 ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ፍረ ይፈሪ፣ ንፋስ ምብራቕ፣ እቲ ካብ ምድረ በዳ ዚወጽእ ንፋስ እግዚኣብሄር ይመጽእ፣ ዓይኒ ማያቱ ኸኣ ይነቅጽ፣ ወሓዚታቱውን ይነጽፍ፣ ዕቋሩን ኵሉ ኽቡር ኣቓሑኡን ንሱ ይዘምቶ።
16 ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኸዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁ፣ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።

 

1 ዎ እስራኤል፣ ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።
2 ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፣ ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፣ ሰናይ ከኣ ተቐበል፣ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፣ በልዎ።
3 እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፣ ኣሶር ኣየድሕነናን፣ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፣ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና።
4 ኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፣ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።
5 ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ፣ ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ፣ ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ።
6 ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፣ ምጽባቑ ኸም ኣውልዕ፣ መኣዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን።
7 እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፣ ብስርናይ ይብርትዑ፣ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፣ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።
8 ዎ ኤፍሬም፣ ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ ኣሎኒ∶ ኣነ ሰማዕክዎ፣ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፣ ፍሬኻ ካባይ እዩ ዚመጽእ።
9 መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ጻድቃን ይመላለስሉ፣ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፣ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ∶ ዚፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ∶

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...