ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ሚክያስ (Micah)

መጽሓፍ ሚክያስ ናይ እስራኤል መቕጻዕትን “ተረፍ” ምፍጣርን ራእይ ኣለዋ እዚ ድማ ደድሕሪ እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓድሽ ንጉስ ዳዊት ኣብ ጽዮን ዘተኰረ ናይ ዓለም ህድኣት ዝመጸ ኢዩ፣ እቶም ህዝቢ ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ኺጻወቱ ናብ ያህወህ ኪምለሱ መቕጻዕቶም ድማ ኪውዳእ ኪጽበዩ ኣለዎም።

ትንቢተ ሚክያስ (Micah)

1 እቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፣ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረኣዮ ናብኡ ኸኣ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣
2 ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፣ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪ፣ ጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ።
3 እንሆ፣ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእ፣ ይወርድ፣ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፣
4 ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት፣ ኣኽራን ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፣ ሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ።
5 እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ∶ ሰማርያዶ ኣይኰነትን∶ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ∶ የሩሳሌምዶ ኣይኰነትን∶
6 ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኵምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጭሮ ኸንከራርዎ፣ ንመሰረታ ኸኣ ክቐልዖ እየ።
7 እቲ ቕሩጽ ምስልታት ኵሉ ኺሰባብሮ፣ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ዅሉ ብሓዊ ኺሐርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፣ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም እሞ፣ ኣነ ንዅላቶም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ።
8-9 ቍስላ ዘይሐዊ እዩ፣ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፣ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፣ ክሳዕ የሩሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፣ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፣ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኰይነን እኽይድ፣ ከም ወኻርያ እበኪ፣ ከም ሰገን ከኣ ደሃይ ሓዘን ኤድሂ ኣሎኹ።
10 ኣብ ጋት ኣይተውርይዎ፣ ብኽያት ኣይትብከዩ፣ ኣብ ቤት ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠቀላዕላዕ በልኩ።
11 ኣቲ ብነውራም ዕርቃን ኣብ ሳፊር እትንበሪ፣ ሕለፊ፣ እታ ኣብ ጾኣናን እትነብሪ ኣይትወጽእን፣ ብኽያት ቤት-ኤጽል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።
12 መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ የሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፣ እታ ኣብ ማሮት እትነብር ስለ እቲ ሰናይ ትሐዝን ኣላ።
13 ኣቲ ኣብ ላኪሽ እትነብሪ፣ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ጽመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፣ ንሳ ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኰነታ።
14 ስለዚ ንሞሬሽት-ጋት ናይ ምስንባት ህያብ ሀቦ፣ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል ጠባሪ ኪኸውን እዩ።
15 ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፣ እቲ ዚወርሰኪ ኸምጽኣልኪ እየ፣ ክብሪ እስራኤል ክሳዕ ኣዱላም ኪመጽእ እዩ።
16 ንሳቶም ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፣ ስለቶም ደቂ ሓጐስኪ ጸጕርኺ ንጸዪ፣ ርእስኪ ላጽዪ፣ ነቲ ነዃዕኪ ኸም ንስሪ ኣግፍሕዮ።

1 እቶም ኣበሳ ዚምህዙ፣ ኣብ መደቀሲኦም ከኣ እከይ ዜዳልዉ ወይለኦም። ኣብ ስልጣን ኢዶም ስለ ዝዀኑ፣ ብብርሃን ወጋሕታ ይገብርዎ።
2 ግራሁ ይደልዩ ይዝርፍዎ ድማ፣ ኣባይቲ ይደልዩ ይወስድዎውን። ንሰብኣይን ንቤቱን፣ እወ፣ ንሰብን ንርስቱን ይጭቍኑ።
3 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ክሳድኩም ዘይተልዕሉሉ፣ ተዐቢኹም ከኣ ዘይትኸዱሉ ሕሰም ነዚ ወለዶ እዚ ኽምህዘሉ እየ።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባኹም ከምዚ ኢሎም ኪምስሉን ቍዝማ ኪቍዝሙን እዮም፣ ብጥራስ ተበዝበዝና፣ ነቲ ግደ ህዝበይ ለወጦ፣ ከመይ ኡሉኸ ኣሕደገኒ፣ ነቲ ግርሁናስ ንዓለወኛታት ዐደሎ።
5 ስለዚ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ነቲ ገመድ መለክዒ ብዕጭ ዜውድቕ የብልካን።
6 ነቶም ዚበዩ፣ ኣይትነበዩ፣ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይተነበዩሎም እኳ፣ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ።
7 ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሀል፣ መንፈስ እግዚኣብሄርዶ ሐጺር እዩ∶ ግብሩኸ እዚ ድዩ∶ ነቲ ብቕንዕና ዚኸይድሲ ቓላተይዶ ሰናይ ኣይኰነን∶
8 ህዝበይ ግና ካብ ቅሩብ ጊዜ ጀሚሩ ከም ጸላኢ ተላዕለ፣ ነቶም ጸረ ውግእ ዝዀኑ ሀዲኦም ዚሐልፋስ ባርኖሶም ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ትገፉ።
9 ነንስቲ ህዝበይ ካብ ኣባይቲ ደስታኤን ትሰጕወን፣ ካብ ደቀን ክብረተይ ንሓዋሩ ትወስዱ።
10 ብሰሪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዜጥፍእ ርኽሰት፣ እዚ ስፍራ ዕረፍትኹም ኣይኰነን እሞ፣ ተንስኡ፣ ኪዱ።
11 ኣነ ብዛዕባ ወይንን ብርቱዕ መስተን ክንበየልካ፣ ኢሉ ደድሕሪ ንፋስ ዚስዕብን ሓሶት ዚዛረብን እንተሎ፣ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ነብዪ ይኸውን።
12 ዎ ያእቆብ፣ ኣነ ክእክበካ፣ ኵለንትናኻ ክእክብ፣ ነቲ ተረፍ እስራኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ፣ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ክምጽኦ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዕለ ብርቱዕ ወካዕታ ኪኸውን እዩ።
13 እቲ ጠሓሲ ኣብ ቅድሚኦም ይድይብ፣ ንሳቶም ይጥሕሲሱ፣ ናብታ ደገ ኸኣ ይሐልፍ፣ ብእእውን ይወጹ። ንጉሶም ቀቅድሚኦም ይሐልፍ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ርእሶም ይኸውን።

1 ኣነ በልኩ፣ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤል፣ ስምዑ ዀታ፣ ፍርዲ ምፍላጥሲ ኣባካትኩምዶ ኣይኰነን 2 ሰናይ እትጸልኡ፣ እከይ ከኣ እትፈትዉ፣ ቈርበቶም እትቐልጥዎም፣ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም እተዋርዱ፣
3 ስጋ ህዝበይ ድማ እትበልዑ፣ ቈርበቶም እትቐልጥዎም፣ ዓጻጽምቶም እትሰብሩ፣ ከምቲ ኣብ ቍራዕ፣ ናብ ድስቲ ዚኣቱ ስጋ እትቘራርጽዎ ኢኹም።
4 ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፣ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፣ ከምቲ ዝገብርዎ ኽፉእ ግብሮም፣ ገጹ ካብኦም ኪሕብእ እዩ።
5 እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዜስሕቱ፣ በስናኖም ዚነኽሱ፣ ሰላም ዚእውጁ፣ ነቲ ናብ ኣፎም ገለ ዘይህቦም ድማ ውግእ ዜዳልዉሉ ነብያት ከምዚ ይብል ኣሎ፣
6 ስለዚ ኣብ ክንዲ ራእይስ ለይቲ፣ ኣብ ክንዲ ጥንቈላ ኸኣ ጸልማት ኪዀነኩም እዩ። ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ነብያት ትዐርብ፣ መዓልቲ ድማ ትጽልምቶም።
7 እቶም ራእይ ዚርእዩ ኺንውሩ፣ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ኪሐንኩ እዮም፣ ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፣ ኵላቶም ጭሕሞም ኪኸድኑ እዮም።
8 ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፣ ንእስራኤል ከኣ ሓጢኣቱ ኽነግሮስ፣ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይልን ፍርድን ትብዓትን መሊኤ ኣሎኹ።
9-10 ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፣ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፣ ንጽዮን ብደም ንየሩሳሌም ከኣ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍቲ ቤት እስራኤልን፣ እዚ ዀታ ስምዑ፣
11 ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፣ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፣ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፣ ምስናይ እዚ ኸኣ፣ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኰነን፣ መዓት ኣይወርደናን እዩ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ።
12 ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፣ የሩሳሌም ከኣ ኵምራ ኣእምን ክትከውን፣ ደብሪ እታ ቤትውን ኵርባ ዱር ኪኸውን እዩ።

1 በተን ዳሕሮት መዓልታት ኪኸውን እዩ፣ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፣ ኣብ ልዕሊ ዅድኵዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።
2 ሕጊ ካብ ጽዮን፣ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፣ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፣ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፣ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ፣ ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና፣ ከኣ ኪብሉ እዮም።
3 ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፣ ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፣ ኵናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም።
4 ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም ሰለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።
5 ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፣ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ክንመላለስ ኢና።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሓንካስ ክእክባ፣ ነታ እተሰጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ከሕብረን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ነታ ሓንካስ ንተረፍ፣ ነታ ናብ ርሑቕ እተሰጐት ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብረን እየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ።
8 ኣታ ግምቢ መጓሰ፣ ኣታ ዅርባ ጓል ጽዮን፣ ናባኻ ኽትመጽእ፣ እወ፣ እታ ጥንታዊት ግዝኣት፣ እታ መንግስቲ ጓል የሩሳሌም ክትመጻካ እያ።
9 እምብኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ∶ ከም እትሐርስ ሰብይቲ ቕልውላው ዚሕዘክስ፣ ንጉስዶ ኣብ ማእከልኪ የሎን፣ መኻሪኺዶ ጠፊኡ እዩ∶
10 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ሕጂ ካብታ ኸተማ ኽትወጺ፣ ኣብ መሮር ከኣ ክትስፍሪ፣ ክሳዕ ባቢሎን ድማ ክትመጺ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ: ኣብኡ እግዚኣብሄር ኺብጀወኪ እዩ እሞ፣ ከም እትሐርስ ሰበይቲ ኣቕለልውን ተጨነቕን።
11 ሕጂ ኸኣ፣ ትርከስ፣ ኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይጥምታ፣ ዚብሉ ብዙሓት ህዝብታት ተኣከቡኺ።
12 ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዐሉን፣ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም ኣሎ።
13 ኣቲ ጓል ጽዮን ቀርንኺ ሓጺን፣ ሸኾናኺ ድማ ነሓሲ ክገብሮ እየ እሞ፣ ተንስኢ፣ ኣኺዲ፣ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ክትሰባብሪ ኢኺ፣ ኣነውን ዘመቲኦም ንእግዚኣብሄር፣ ሃብቶም ድማ ንጐይታ ዅላ ምድሪ ክቕድሶ እየ።

1 ኣቲ ጓል ጭፍራ፣ ጭፍራኺ ኣክቢ፣ ብኽቢ ይኸቡና፣ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።
2 ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።
3 ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣሕዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም።
4 ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ኪቐወምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም።
5 ንሱ ሰላም ኪኽውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ኣዳራሽና ኸኣ ምስ ረገጸ፣ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኸነተንስኣሉ ኢና።
6 ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፣ ንሃገር ኒምሮድ ከኣ ኣብ ደጌታታ ኼጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፣ ካብቲ ኣሶራዊ ኼናግፈና እዩ።
7 እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ፣ ብደቂ ሰብ ከኣ ተስፋ ዘይገብር፣ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፣ ከም ካፋ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ።
8 እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር፣ ከም ሽደን ኣብ ማእከል መጓሰ ኣባጊዕ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኺሐልፍ ከሎ፣ ይረጋግጽን ይሰላልዕን ዜናግፍ ድማ የልቦን።
9 ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፣ ኵሎም ጻላእትኻውን ይጽነቱ።
10 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ነፍራስካ ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦም፣ ንሰረገላታትካ ኸኣ ክሰባብሮ እየ።
11 ንኸተማታት ሃገርካ ኸጥፍኤን፣ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ።
12 ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉኻን እዮም።
13 ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድርሕዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ኣይክትሰግደሉን ኢኻ።
14 ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኽምንቍሰን፣ ንኸተማታትካ ኸኣ ከፍርሰን እየ።
15 ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።

 

1 እቲ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ስምዑ፣ ተንስእ፣ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ፍረድ፣ ንዅድዅዶታት ከኣ ደሃይካ ኣስምዓዮም።
2 እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፣ ምስ ኣስራኤል ድማ ኪካታዕ እዩ እሞ፣ ኣቱም ኣኽራን፣ ንስኻትኩምውን ጽኑዓት መሰረት ምድሪ፣ ነገር እግዚኣብሄር ስምዑ።
3 ኣታ ህዝበይ፣ እንታይ ገይረካ እየ∶ ብምንታይከ ኣድከምኩኻ∶ እስኪ መስክረለይ።
4 ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጻኤካ፣ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካ፣ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፣
5 ኣታ ህዝበይ፣ ጽድቂ እግዚኣብሄር ክትፈልጥሲ፣ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፣ በለዓም ወዲ ቤዖር ከኣ ዝመለሰሉ፣ ካብ ሺጢም ክሳዕ ጊጋል ዝዀነውን ዘክር።
6 ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ክመጽእ∶ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፣ ዚሐርር መስዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፣
7 እግዚኣብሄርዶ በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ∶ ስለ በደለይ በዅሪ ወደይ፣ ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከኣ ፍረ ኸርሰይዶ ኽውፊ እየ∶
8 ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ∶
9 ደሃይ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይጽውዓ ጥበብ ከኣ ንስምካ ኽትርኢ እያ። ነቲ ሸቦጥን ነቲ ዘዳለዎን ሰምዑ።
10 እቲ መዛግብ ረሲእነትን እቲ ጽዩፍ ጐደሎ ኤፋንዶ ገና ኣብ ቤት ረሲእ ኣሎ እዩ∶
11 ኣነዶ ብሚዛን ረሲእነን በቲ ኸረጺት ጠባሪ መምዘንን ንጹህ ክኸውን እየ∶
12 እቶም ሃብታማታ ዓመጽ ዝመልኡ እዮም፣ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ሓሶት ይዛረቡ፣ ልሳኖምውን ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ።
13 ስለዚ ኣነ ድማ ብሰሪ ሓጢኣትካ ክሳዕ እትደክምን እትፈርስን ክወቕዓካ እየ።
14 ንስኻ ትበልዕ፣ ግናኸ ኣይትጸግብን፣ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ኪኸውን እዩ፣ ትሕዝ፣ ግናኸ ኣይተድሕንን፣ እቲ ዘድሐንካዮ ኸኣ ንኣደዳ ሰይፊ ኽምጥዎ እየ።
15 ንስኻ ትዘርእ፣ ግናኸ ኣይትዐጽድን፣ ፍረ ኣውልዕ ትጐድእ፣ ግናኸ ዘይቲ ኣይትልከን። ኰልዒ ወይኒ ትጸምቝ፣ ወይኒ ግና ኣይትሰትን።
16 ኣነ ንኣኺ መሰክሒ ፣ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ንፋጻ ኽገብርሲ፣ ስርዓት ኦምርን ኵሉ ግብሪ ቤት ኣሃብን ይሕልዉ፣ ንስኻትኩም ድማ ብምኽሮም ትመላለሱ ኣሎኹም እሞ፣ ጸርፊ ህዝበይ ክትጾሩ ኢኹም።

 

1 ኣነ ኸምቲ ፍረ ቀውዒ ምስ ተቐንጠበን፣ ከምቲ ድሕሪ ምብታኽ ወይኒ ቐሪም ምስ ተቐረመን፣ ዚብላዕ ዘለላ ዜብለይ ኰይነ እየ እሞ፣ ወይለይ፣ እታ ነፍሰይ እተትምነየታ በዅሪ ፍረ በለስ እኳ የላን።
2 ጻድቕ ካብ ምድሪ ጠፍኤ፣ ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን። ኵላቶም ንደም የድብዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ብመርበብ ይሃድኖ።
3 ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ፣ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፣ ሀቡኒ፣ ይብል፣ ፈራዲ ኸኣ ብረብሓ ይፈርድ፣ ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፣ በዚ ድማ ክፍኣት ይጕንጕኑ።
4 እቲ ካባታቶም ዝሔሸ ኸም ተዀርባ እዩ፣ እቲ ዝቐንዔ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ፣ እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፣ እታ መዓትካ፣ መጸት፣ ሕጂ ኺሽበሩ እዮም።
5-6 ወዲ ነቦኡ ይንዕቕ፣ ጓል ኣብ ልዕሊ ኣዲኣ፣ መርዓት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓማት ይለዐላ፣ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ዀይኖም እዮም እሞ፣ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፣ ብፈታዊ ድማ ኣይትተኣመኑ፣ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ።
7 ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፣ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፣ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።
8 ኣቲ ጸላኢተይ፣ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ እየ፣ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩውን፣ እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፣ ብኣይ ኣይትተሐጐሲ።
9 ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፣ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚሕዘለይ ፍትሒውን ክሳዕ ዜውጽኣለይ፣ ንቝጥዓኡ ክጽመሞ እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዩ፣ ጽድቁውን ክርኢ እየ።
10 ሽዑ እታ፣ ኣበይ ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፣ ዝበለትኒ ጸላኢተይ ክትርእዮን ሓፍረት ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ኪርእያኣ እየን፣ ሕጂ ኸም ጭቓ መገዲ ኽትርገጽ እያ።
11 እታ መከበብያኺ እትስርሓላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዶብ ኪርሕቕ እዩ።
12 በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ኣሶርን ካብ ከተማታት ግብጽን፣ ካብ ግብጺ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ፣ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ከረንውን ክሳዕ ከረን ናባኺ ኺመጹ እዮም።
13 እታ ሃገር ግና ንምኽንያት እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ብሰሪ ፍረ ግብሮምን ክትባድም እያ።
14 ንህዝብኻ፣ ነታ ኣብ ዱር፣ ኣብ ማእከል ቀርሜሎስ ንበይና እትነብር ዘላ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓሲ። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ኣብ ባሳንን ኣብ ጊልዓድን ጓስዮ።
15 ከምቲ በተን ካብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልታት፣ ተኣምራት ከርእዮም እየ።
16 ኣህዛብ ኪርእዩ፣ ብሓይሎም ዘበለ ዅሉውን ኪሐንኩ እዮም። ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ፣ ኣእዛኖም ኪጸሙ እዮም።
17 ከም ተመን ሓመድ ኪልሕሱ፣ ከም ለመምታ ምድሪ እናንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ኪወጹ፣ ራዕራዕ እናበሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺመጹ፣ ንኣኻውን ኪፈርሁ እዮም።
18 ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፣ ኣበሳ ዚሐድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፣ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርን።
19 መሊሱ ይርሕርሓልና፣ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ።
20 ነቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፣ ሓቂ ንያእቆብ፣ ምሕረት ከኣ ንኣብርሃም ክትገብረሎም ኢኻ።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...