ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ናሆም (Nahum)

መጽሓፍ ናሆም ንኻልኣይ ግዜ ንነነዌ ፍርዲ ኣምላኽ ንምስባኽ ተንሲኣ እያ ። ኣስታት 120 ዓመት ኣቐዲሙ ንመጀመርታ ግዜ እተነበየ ዮናስ እዩ ነይሩ ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ነቲ ኣብ ልዕሊ ነነዌ እተዋህበ ናይ መወዳእታ መልእኽትን ፍርድን ንምግላጽ እዩ፣ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር እውን ኣዘራረበ። ብግዜ ዮናስ ምስ ተነስሑ ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ እከይ ተመልሱ ብግዜ ናሆም እውን ከምኡ ገበሩ።

ትንቢተ ናሆም (Nahum)

1 ጾር ነነዌ። መጽሓፍ ናሆም ኣልቆሻዊ።
2 እግዚኣብሄር ቀናእን ፈዳይ ሕነን ኣምላኽ እዩ።እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቍጥዓ ዝመልኤን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮም፣ ንጸላእቱ ኸኣ ይቕየሞም።
3 እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፣ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቈጽሮን፣ እግዚኣብሄር ብሸምቦባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፣ ደበና ኸኣ ተጐጓ ኣኣጋሩ እዩ።
4 ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፣ ንዅሉ ርባታት የንጽፎ፣ ባሳንን ቀርሜሎስን ጸምለዉ፣ ዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ።
5 ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ፣ ኵርባታት ከኣ ይመኩ፣ ምድርን ዓለምን ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ።
6 ኣብ ቅድሚ ዅራኡ ደው ዚብል መን እዩ∶ ኣብ ረስኒ ቝጥዓኡስ መን ይቐውም፣ ነድሩ ኸም ሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ።
7 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፣ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።
8 ንሱ ነቲ ቦታኣ ብዚድምስስ ውሒዝ ጥራስ ኬጥፍኣ ኣዩ፣ ንጸላኣቱ ኸኣ ናብ ጸልማት ኪሰጎም እዩ።
9 ኣንጻር እግዚኣብሄር እንታይ ትሓስቡ∶ ንሱስ ብጥራስ ኬጥፋኣ እዩ፣ ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ።
10 ምንም እኳ ኸም እሾዅ እንተ ተተናነጉ፣ ብወይኖምውን እንተ ሰኸሩ፣ ከም ንቑጽ ብርዒ ብጥራስ ሞዅ ኪብሉ እዮም።
11 እቲ ንእግዚኣብሄር እከይ ዝሐስበሉ፣ ሕሰም ከኣ ዚመኽረሉ፣ ካባኻ ወጸ።
12 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓት እንተ ዀኑ፣ ኪዕጸዱ እዮም፣ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ። ኣነ ኣጨነቕኩኻ፣ ድሕሪ ደጊምሲ ኣይከጨንቐካን እየ።
13 ሕጂ ድማ ኣርዑቱ ካባኻ ኽሰብር እየ፣ ንማእሰሪታትካ ኸኣ ክበታትኾ እየ።
14 እግዚኣብሄር ድሕርዚ ኻብ ስምካ ኣይዘራእ፣ ኣነ ነቲ ቕሩጽ ምስልን ነቲ ፍሱስ ምስልን ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኸጥፍኦ እየ፣ እትነዐቕ ኢኻ እሞ፣መቓብር ክገብረልካ እየ፣ ኢሉ ብዛዕባኻ ኣዘዘ።
15 እንሆ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፣ ሰላም ከኣ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን ኣለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይኪሐልፍን ብጥራስ ከኣ ጸኒቱ እዩ እሞ፣ ዎ ይሁዳ፣ በዓላትካ ኣብዕል፣ መብጽዓኻ ፈጽም።

1-2 ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምን፣ ንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎን፣ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ኽብረት እስራኤል፣ ንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ እሞ፣ እቲ መብረሲ ይድይበካ ኣሎ፣ ነቲ ዕርዲ ሐልዎ፣ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎ፣ ሕቜኻ ኣደልድሎ፣ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ።
3 እቲ ዋልታ ሓያላቱ ቔሔ፣ እቶም ተዋጋእቲ ሰብ ቀይሕ ተኸድኑ: በታ መዓልቲ ምድላው ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣ እቲ ዛብያታት ይንብጥበጥ።
4 እተን ሰረገላታት ኣብ መገዲ ብናህሪ ይኸዳ፣ ኣብ ኣደባባያት ይጋጨዋ፣ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ እዩ፣ ከም መባርቕ ድማ ይጐያ።
5 ንኸበርቴታቱ ይዝክር፣ ኪኸዱ ኸለዉ ይዕንቀፉ፣ ናብ መካበብያኣ ኣቢሎም ይቕልጥፉ፣ መጸግዒ ድማ ተዳለወ።
6 ደጌታት ወሓይዝ ይኽፈት፣ እቲ ኣደራሽ ከኣ ይመክኽ።
7 ክዉን እዩ፣ ጥራያ ዀይና ተማረኸት፣ ኣግራዳ ድማ ኣፍ ልበን እናወቕዓ ብደሃይ ርግቢ ዋይዋይ ይብላ ኣለዋ።
8 ነነዌ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኸም ማይ ዝመልኤ ሓጽቢ ነበረት፣ ግናኸ ሀደሙ። ደው በሉ፣ ደው በሉ፣ በልዎም፣ ግልብጥ ዝበለ ግና የልቦን።
9 እቲ መዝገብ፣ ድልቢ እቲ በብዓይነቱ ዘሎ ኽቡር ኣቓሑ፣ ታእላው የብሉን እሞ፣ ብሩር ዝመቱ፣ ወርቂ ዝመቱ።
10 ባዶን ጥራያን ኰነት፣ ባደመት፣ ልቢ መኸኸ፣ ኣብራኽ ከኣ ራዕራዕ በለ፣ ዅሉ ሕቘ ሐመመ፣ ገጽ ዅሎምውን ጸለመ።
11 እቲ ሽደናት ዚበልዑሉ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራኵር ኣንበሳን ድማ መፍርሂ ዜብሎም ኰይኖም ዚዛውኑሉ ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣሎ∶
12 ኣንበሳ ንዀራኵር ዚኣኽሎም ዘረፈ፣ ንዋዕሮታቱ ኸኣ ሐነቐለን፣ በዓትታቱ ብግዳዩ፣ ጐደጉዱ ኸኣ ብዝዘረፎ መልኦ።
13 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣እኔኹ ፣ ኣብ ልዕሌኺ እየ፣ ንዓረብያታት ኣንዲደ ኽትክኾ እየ። ነቶም ኰረኵር ኣናብስኪ ሰይፊ ኺወሕጦም እዩ፣ ንዝዘመትክዮ ካብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፣ ድሕርዚ ድምጺ ልኡኻትኪ ኣይኪስማዕን እዩ፣ ይብል ኣሎ።

 

1 እታ ሓሶትን ዓመጽን ዝመልኤት፣ ምዝራፍ ከኣ ዘይትሐድግ ከተማ ደም ወይለኣ።
2 ደሃይ ሓለንግን ደሃይ እቲ ድዋዕዋዕ ዚብል መንኰራዅርን ጋልበት ኣፍራስን ዚጐያ ዓረብያታትን ይስማዕ።
3 ጋልበት ፈረሰኛታትን ሃልሃልታ ሰይፍን መብረቕ ኵናትን ምብዛሕ ቅቱላትን ኵምራ ምዉታትን ቍጽሪ ዜብሎም ሬሳታትን ኰነ፣ ብሬሳታቶም ድማ ይዕንቀፉ።
4 እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ብዝሒ ምንዝርና ናይታ ንህዝብታት ብምንዝርና፣ ንዓሌታት ከኣ ብጠንቈላ እትሸይጥ መልክዔኛ ኣመንዝራ፣ ፈላጥ ጠንቋሊት እዩ።
5 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ኣነ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐልዖ፣ ንህዝብታት ዕርቃንኪ፣ ንመንግስትታት ከኣ ነውርኺ ኸርእዮም እየ።
6 ርኽሰት ኣባኺ ኽድርቢ፣ ንዕቕቲ ኽገብረኪ፣ መላገጺ ኽትኰኒውን ክውፍየኪ እየ።
7 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ዚርእዩኺ ዘበሉ ዅላቶም ካባኺ ኺሀድሙ እሞ፣ ነነዌ ባደመት፣ መንከ ይበኽየላ∶ ዜጸናንዑኺ ኻበይ ክደልየልኪ እየ∶ ኪብሉ እዮም።
8 ንስኺዶ ኻብቲ ኣብ መንጎ ርባታት እተቐመጠት፣ ማያት ዝኸበበ፣ ቀጽራ ባሕሪ፣ መካባብያ ኸኣ ባሕሪ ዝዀነ ኖ-ኣሞን ትበልጺ ኢኺ∶
9 ኢትዮጽያን ግብጽን መወዳእታ ዜብሉ ሓይሊ ነበሩ፣ ፉጥን ሊብያን ሓገዝትኺ ነበሩ።
10 ግናኸ ንሳ ተሰደትን ተማረኸትን፣ ሕጻናታ ድማ ኣብ ርእሲ ዅሉ መገድታት ተጨፍለቑ። ኣብቶም ክቡራት ሰባታ ኸኣ ዕጭ ኣውደቑ፣ ኵላቶም ዓበይቲ ሰባውን ብመቝሕ ተኣስሩ።
11 ንስኺ ድማ ክትሰኽርን ክትሕብእን ኢኺ፣ ንስኺውን ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ዕሩድ ቦታ ኽትደልዪ ኢኺ።
12 ኵሉ ዕርድታትኪ ኸም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፣ ሰሰው እንተ ኣበልካያ፣ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ።
13 እንሆ ህዝብኺ ኣብ ማእከልኪ ኣንስቲ ዀኑ። እተን ደጌታት ሃገርኪ ንጸላእትኺ ኽፉታት እየን፣ ነቲ መሃርሃሪታትኪ ሓዊ በልዖ።
14 ክትክበቢ ኢኺ እሞ፣ ማይ ቅድሒ፣ ዕርድኺ ኣጽንዒ፣ ኣብ ጭቃ እተዊ፣ መሬት ርገጺ፣ መስርሕ ጡብ ከኣ ኣጣጥኢ።
15 ኣብኡ ሓዊ ኺበልዓኪ፣ ሰይፊ ኼጥፍኣኪ፣ ከም ኵብኵብታ ኺበልዓኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ብዝሒ፣ ከም ኣንበጣ ብዝሒ።
16 ንነጋዶኺ ካብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕክዮም። ኵብኵብታ ፋሕ ይብል፣ ነፊሩውን ይኸይድ።
17 እቶም ዘውዲ ዝደፍኡ ኣባኺ ዘለዉ ኸም ኣንበጣ፣ እቶም ሓላቑኺ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሓጹር ዚሰፍር ጭፍራ ዅብኵብታ እዮም። ጸሓይ ምስ በረቐት፣ ይሀድሙ፣ ኣበይ ከም ዝነብሩ ቦታኦም ኣይፍለጥን እዩ።
18 ዎ ንጉስ ኣሶር፣ ጓሶትካ ደቀሱ፣ እቶም ከበርቴታትካ ዐረፉ፣ ህዝብኻ ኣብ ኣኽራን ፋሕ በሉ፣ ዚእክቦም ድማ የልቦን።
19 እከይካ ዅሉ ጊዜ ብልዕሊኡ ዘይሐለፎ መን እዩ∶ ስለዚ ንቝስልኻ ፈውሲ የብሉን፣ መውቃዕትኻ ብርቱዕ እዩ፣ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ዅላቶም ኣእዳዎም ኣጣቕዑልካ።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...