ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ አብድዩ (Obadiah)

መጽሓፍ ኦብድያ ብዛዕባ እቲ መስራቲ ኣቦኡ ኤሳው ዝነበረ ኤዶማዊ ትውለድ ዚብል ትንቢታዊ ራእይ እተመስረተት እያ። ኦብድያ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ከም እተራኸበ ብዝርዝር ገለጸ ንሱ ድማ ብዛዕባ ትዕቢት ኤዶም ተዛረበ እሞ “ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ሓውካ ዓመጽ” ኢሉ ኸሰሶም።

ትንቢተ አብድዩ (Obadiah)

1 ራእይ ኦብድያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ተንስኡ፣ ምስኣ ኽንዋጋእስ ንለዐል፣ ዚብል መልእኽቲ ኻብ እግዚኣብሄር ሰማዕና፣ ልኡኽ ድማ ኣብ ህዝብታት ተላእከ።
2 እንሆ፣ ኣብ ማእክል ህዝብታት ኣንኣስኩኻ፣ ንስኻ ኣዚኻ እተነዐቕካ ኢኻ።
3 ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፣ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፣ ልብኻ ድም፣ መን እዩ ናብ ምድሪ ዘውርደኒ∶ እትብል፣ ትዕቢት ልብኻ ኣስሐተካ።
4 ከም ንስሪ እኳ ልዕል እንተ በልካ፣ ቤትካውን ኣብ ማእከል ከዋኽብቲ እንተ ገበርካ፣ ካብኡ ኸውርደካ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
5 ሰረቕቲ ወይስ ከተርቲ ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፦ ክንደይ ኰን በረስካ፦ ክሳዕ ዚኣኽሎምዶ ኣይምሰረቑን∶ በተኽቲ ወይኒ እንተ ዚመጹኻስ፣ ገለ ዘለላዶ ኣይምሐደጉልካን∶
6 ኣየ፣ ኤሳው ክንደይ ተጐርጐረ፣ እቲ ሕቡእ መዝገቡስ ክንደይ ተደልየ።
7 እቶም ቃል ኪዳን ዝኣተዉልካ ሰባት ኵሎም ክሳዕ ዶብ ሰደዱኻ፣ እቶም እትኣምኖም ሰባት ከኣ ጠበሩኻ፣ ዐብለለኡኻ ድማ፣ እቶም እንጌራኻ ዝበልዑውን፣ ኣእምሮ የብሉን፣ ኢሎም ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠራ ዘርግሑልካ።
8 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኻብ ኤዶም ጠቢባን፣ ካብ ከረን ኤሳው ከኣ ምስትውዓልዶ ኣይከጥፍእን እየ?
9 ኣታ ቴማን፣ ሰብ ዘበለ ካብ ከረን ኤሳው ብምቕታል ኪጥረስሲ፣ ጀጋኑኻ ተስፋ ኪቘርጹ እዮም።
10 ብምኽንያት እቲ ንሓውካ ያእቆብ ዝገበርካዮ ዓመጽ፣ ሕፍረት ኪኸድነካ እዩ፣ ንዘለኣለም ከኣ ክትጸንት ኢኻ።
11 በታ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝገበርካላ መዓልቲ፣ በታ ጓኖት ንገንዘቡ ዝማረኹላ፣ መጻተኛታት ድማ ብደጌታቱ ዝኣተዉላ፣ የሩሳሌም ከኣ ዕጭ ዘውደቐላ መዓልቲ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብታቶም ነበርካ።
12 እምብኣርሲ በታ መዓልቲ መከራኡ ንመዓልቲ ሓውካ ኣይትጠምት፣ በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም ብደቂ ይሁዳ ኣይትተሐጐስ፣ በታ መዓልቲ ጸበባ ብትዕቢት ኣይትዛረብ።
13 በታ መዓልቲ መዓቱ ብደገ ህዝበይ ኣይትእቶ፣ በታ መዓልቲ መዓቱ ንስኻውን መከራኡ ኣይትርኤ፣ በታ መዓልቲ መዓቱ ድማ ኢድካ ናብ ገንዘቡ ኣይትዘርግሕ።
14 ነቶም ዘምለጡ ኸተጥፍእ ኢልካ ኣብ ቃራና መገዲ ደው ኣይትበል፣ በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቶም ዝተረፉ ናቱ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦም።
15 መዓልቲ እግዚኣብሄር ንዅላቶም ህዝብታት ቀሪባ እያ እሞ፣ ከምቲ ዝገበርካዮ ኺገብሩኻ እዮም፣ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለስካ እዩ።
16 ከምቲ ንስኻትኩም ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ዝሰቴኹምዎ፣ ከምኡ ዅሎም ህዝብታት ከየባተኹ ኺሰትዩ፣ እወ፣ ኪሰትዩ ኪጭልጡውን እዮም፣ ከም ዘይነበሩ ኸኣ ኪዀኑ እዮም።
17 ኣብ ከረን ጽዮን ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም፣ ንሱውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ፣ ቤት ያእቆብ ከኣ ርስቶም ኪርስተዩ እዮም።
18 ቤት ያእቆብ ሓዊ፣ ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፣ ቤት ኤሳው ድማ ከም ሓሰር ኪኹኑ እዮም። ኣብኦም ኬንድዱን ኪውሕጥዎምን እዮም። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፣ ንቤት ኤሳው ሓደ እኳ ኣይኪተርፋን እዩ።
19 እቶም ኣብ ደቡብ ዘለዉ ንኸረን ኤሳው፣ እቶም ኣብ ጐልጐል ዘለዉ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ኪርስተዩ እዮም። ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንምድሪ ሰማርያን ኪርስተይወን እዮም፣ ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ።
20 እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ሰራዊት ደቂ እስራኤል ነቲ ናይ ከነኣናውያን ዝነበረ ኽሳዕ ሰራጵታ ኺርስተዩ፣ እቶም ካብ የሩሳሌም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣብ ሰፋራድ ዘለዉ ድማ ንኸተማታት ደቡብ ኪወርስወን እዮም።
21 መናገፍቲ ኸኣ፣ንኸረን ኤሳው ኪፈርዱስ፣ ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፣ መንግስቲውን ናይ እግዚኣብሄር ኪኸውን እዩ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...