ጽማቝ ሓሳባት ትንቢተ ኢሳይያስ (Isaiah)

መጽሓፍ ኢሳይያስ ንእስራኤልን ንኣህዛብን ናብቲ ኣብ መጻኢ ሓድሽ ኪዳንን እቲ ዝመጽእ መሲህን ናይ ምምጻእ ትምኒት እናሰጐጕዎም ክነሶም ብዛዕባ ዝመጽእ ፍርዲ ትገልጽ ኢያ። መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ሓድሽ ኪዳን ንምትእትታው ከምኡውን ብዛዕባ ምምጻእ መሲህ የሱስ ክርስቶስ ንምምጓት እስራኤላውያንን ኣህዛብን ዚፈርዱሉ እዋን ትገልጽ እያ።

ትንቢተ ኢሳይያስ (Isaiah)

1 ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ።
2 እግዚኣብሄር ይዛረብ ኣሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው።
3 ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ።
4 ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ።
5 ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ።
6 ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ።
7 ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት።
8 ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ ኣላ።
9 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና።
10 ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ።
11 ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ? ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ ኣሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ።
12 ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም?
13 ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ።
14 ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ ኣላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ ኣሎኹ።
15 ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን።
16 ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ።
17 ምግባር ሰናይ ተመሃሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።
18 ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።
19 ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።
20 ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም።
21 እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት።
22 ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ።
23 መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ።
24 ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ።
25 ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ።
26 ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ።
27 ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም።
28 ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም።
29 በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም።
30 ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡
31 እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።

 

1 ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ቓል እዚ እዩ፡
2 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።
3 ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና፡ ድማ ኪብሉ እዮም።
4 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።
5 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ንዑ ዀታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።
6 ንቤት ያእቆብ፡ ህዝብኻ፡ ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡ፡ ከም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ስለ ዝጠንቈሉ፡ ምስ ደቂ ጓናውን ኣገና ስለ ዝጠቕዑ፡ ሐደግካዮም።
7 ሃገሮምሲ ብሩርን ወርቅን ምሉእ እዩ፡ ዕቋሮም ድማ ታእላው የብሉን። ሃገሮም ከኣ ኣፍራስ ሞሉእ እዩ፡ ዓረብያታቶምውን ታእላው የብሉን።
8 ሃገሮም ድማ ጣኦታት ምሉእ እዩ፡ንግብሪ ኣእዳዎም፡ ነቲ ኣጻብዖም ዝገበራኦ ይሰግድሉ።
9 እቲ ጥቑዕ ሰብ ከኣ ለጥቕ ይብል፡ እቲ ምርኡይ ሰብ ድማ ይዋረድ ኣሎ፡ ስለዚ ይቕረ ኣይትብለሎምን ኢኻ።
10 ኣብ በዓቲ እቶ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርምኡን ኣግሊስካ ኣብ ሓመድ ተሐባእ።
11 እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ኪብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።
12 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዂሉ ዕቡይን ኲሩዕን ልዕል ንዝበለ ዂሉን ኬዋርዶ፡ መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡
13 ኣብ ኲሉ ዓብይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ኣእዋም ባሳንን፡
14 ኣብ ኲሉ ነዊሕ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ልዕል ዝበለ ዀረቢትን፡
15 ኣብ ብዘሎ ነዊሕ ግምብን ኣብ ብዘሎ ጽኑዕ ቀጽርን፡
16 ኣብ ኲለን መራኽብ ተርሲስን ኣብቲ ንምርኣይ ዜተምኒ ዘበለን መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡
17 ትዕቢት ሰብ ኪዋረድ፡ ኲርዓት ሰባት ድማ ኪሐስር እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።
18 ጣኦታትውን ብጥራስ ኪጠፍኡ እዮም።
19 ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄርን ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም፡ ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ጐዳጒድ ምድርን ኪኣትው እዮም።
20 በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኪሰግዱሎም ዝገበርዎም ጣኦታት ብሩሮምን ጣኦታት ወርቆምንሲ ንፍሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ኪድርብይዎም እዮም።
21 ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኪኣትው እዮም።
22 በቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ ኣዩ እተቋጽርዎ?

 

1 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፋን ምርኩስ፡ ኲሉ ደገፉ እንጌራን ኲሉ ደገፉ ማይን ኬርሕቕ እዩ።
2 ነቲ ጅግናን ተዋጋእን ነቲ ፈራድን ንነብይን ነቲ ፈላጥን ንኣረጊትን፡
3 ነቲ ሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይ ሰብን ነቲ መኻርን ንንፋዕ ብዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛምን ኬርሕቖም እዩ።
4 ቈልዑ መሳፍንቶም ኪዀኑ ኽህቦም እየ፡ ሕጻናት ከኣ ኪመልክዎም እዮም።
5 እቲ ህዝቢ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺገፍዖ እዩ፡ ቈልዓ ንኣረጊት፡ እቲ ሕማቕ ድማ ነቲ ኽቡር ኪደፍሮ እዩ።
6 ሓደ ንሓው ኣብ ቤት ኣቦኡ ሒዙ፡ ክዳን ኣሎካ እሞ፡ ገዛኢ ኹነና፡ ነዚ ምዕናው እዚ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ፡ ምስ ዚብሎ፡
7 እቲውን በታ መዓልቲ እቲኣ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ኣነ ዘናን ቊስሊ ኣይኰንኩን፡ ኣብ ቤተይ ድማ እንጌራ ወይስ ክዳን የልቦን፡ እሞ፡ ገዛእ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ፡ ኪብል እዩ።
8 ነዒንቲ ኽብሩ ኬቘጥዕወን ኢሎምሲ፡ ልሳኖምን ግብሮምን ንእግዚኣብሄር ስለ እተጻረረ፡ የሩሳሌም ሰንከልከል ትብል፡ ይሁዳ ኸኣ ትወድቕ ኣላ።
9 ትርኢት ገጾም ዜርትዖም ይምስክር፡ ንሓጢኣቶም ከም ሶዶም የውርይዎ፡ ኣይሐብእዎን ከኣ፡ ኣብ ርእሶም ሕሰም የምጽኡ ኣለው እሞ፡ ወይለኣ ነፍሶም።
10 ንጻድቕ፡ ፍረ ግብሩ ኺበልዕ እዩ እሞ፡ ተዐዊትካ በልዎ።
11 ንረሲእሲ እኩይ ኪረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኺፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
12 ገፋዕቲ ህዝበይ ቈልዑ እዮም፡ ኣንስቲ ኸኣ ይገዝእኦ ኣለዋ። ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው።
13 እግዚኣብሄር ኪምጒት ይትንስእ፡ ንህዝብታት ኪፈርዶም ይቐውም።
14 እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ህዝቡ ዓበይትን መሳፍንትን ኪፈርዶም ይኣቱ፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንስኻትኩም ኢኹም ዝበላዕኩምዎ፡ እቲ ኻብ ድኻታት ዝዘረፍኩምዎ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ።
15 ንህዝበይ እትረግጽዎ፡ ንገጽ ድኻታት ከኣ እትደቚሱንሲ፡ ስለምንታይ ኢኹም? ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት።
16 መሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡
17 እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ።
19 ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡
20 ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡
21 ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡
22 ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡
23 ንመስትያትን ቅጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ።
24 ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ።
25 ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ ጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም።
26 ደጌታት ኪቚዝማን ኪሐዝናን እየን፡ ዖንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።

1 በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲ፡ እንጌራ ንበልዕ፡ ክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕ፡ እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ እየን።
2 በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ዘምለጡ ናይ እስራኤል፡ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንጌጽን ንኽብርን፡ እቲ ፍረ ምድሪውን ንሓበንን ሓጐስን ኪዀኖም እዩ።
3-4 እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።
5 ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኽብርስ መኸወሊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሉ መሳፍሮ ኣኽራን ጽዮንን፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባታታን ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ባና ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ።
6 ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡ ካብ ሽሾን ዝናምን ከኣ ጸግዕን መዕቀልን ዚኸውን ድንኳን ኪህሉ እዩ።

 

1 ቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ ኣሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ።
2 ኰዐቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ኬፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ።
3 ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ።
4 ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ? ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስ፡ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ?
5 እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ ኤፍልጠኩም፡ ንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ኪርገጽውን እዩ።
6 ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ።
7 እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደም፡ ጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ።
8 ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእከል ሃገር ክትነብሩስ፡ እቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣን፡ ቤት ኣብ ቤት ዚድርቡ፡ ግራት ከኣ ናብ ግራት ዜቕርቡ ወይለኦም።
9-10 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበ።
11 እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም።
12 መሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም ኣሎ፡ ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳው ኸኣ ኣይርእይዎን።
13 ስለዚውን ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማረኹ፡ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፡ ሰቦም ድማ ብጽምኢ ይነቕጹ ኣለው።
14 ስለዚ ሲኦል ንትምኒታ ኣርሒባ፡ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ሃህ ኣቢላ ኣላ፡ ክብረቶምን ብዝሒ ሰቦምን ጌጾምን እቲ ኣብኡ ባህ ዚብሎን ናብኣ ይወርድ ኣሎ።
15 እቲ ማንም ሰብ ለጠቕ ኪብል፡ እቲ ምርኡይ ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ ኣዒንቲ ዂሩዓት ድማ ኪዋረዳ እየን።
16 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግና ብፍርዲ ልዕል ይብል፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ብጽድቂ ይቕደስ።
17 ሽዑ ዕያውቲ ኸም ኣብ መጓሰይኦም ኪጓሰዩ እዮም፡ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከኣ ጓኖት ኪበልዕዎ እዮም።
18 እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶት፡ ንሓጢኣት ከኣ ከም ብመጣምር ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም።
19 እቶም፡ ክንርእዮስ ይቐልጥፍ፡ ዕዮኡ ኸኣ ፈጢኑ ይግበር፡ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ፡ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ ትምጻእውን፡ ዚብሉ ወይለኦም።
20 እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ፡ ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ፡ ንጸልማትሲ ብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ፡ ንመሪርሲ ጥዑም፡ ንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም።
21 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን፡ ብርእሶም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም።
22 እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉ፡ ዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም።
23 መማለጃ ተቐቢሎም ንረሲእ ዜጽድቕዎ፡ ንጻድቕ ድማ ጽድቁ ዜግድፍዎ ወይለኦም።
24 ንሕጊ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዒቖምዎ፡ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተሐሲሞምዎ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኸምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዜንድዶ፡ ንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ሞዂ ዚብል፡ ሱሮም ከም ብዂብዂ ኪኸውን፡ ዕምባባኦም ከኣ ከም ዕሻሽ ኪተጒጒ እዩ።
25 ስለዚ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡ ኢዱ ኸኣ ኣባታቶም ዘርግሔ እሞ ወቕዖም፡ ኣኽራን ኣንቀጥቀጡ፡ ሬሳኦም ድማ ከም ጐሓፍ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ኰነ። ምስናይዚ ዂሉ ድማ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
26 ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ኣህዛብ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኼልዕለሎም፡ ካብ ጽንፊ ምድሪ ኸኣ ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ፡ እንሆውን ብፍጥነት ቀልጢፎም ኪመጹ እዮም።
27 ድኹምን ስንከልከል ዚብልን ኣብ ማእከል የልቦን፡ ሓደ እኳ ኣይታኸስን ኣይድቅስን፡ ቅናት ሕቚኦም ኣይፍታሕን፡ ጥላም ሳእኖም ከኣ ኣይብተኽን።
28 ፍላጻታቶም በሊሕ፡ ኲሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፡ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት እዩ፡ መንኰርኰር ሰረገላታቶም ከኣ ከም ህቦብላ እዩ።
29 ምጒዛሞም ነቲ ናይ ዋዕሮ ይመስል፡ ከም ሽደን ኣንበሳ ይጓዝሙ፡ የጒራዕርዑ፡ ግዳዮም ዐትዒቶም ኣብ ጽኑዕ ይወስድዎ፡ ዜናግፍውን የልቦን።
30 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ህማም ባሕሪ ኣብኦም ኪሀሙ እዮም፡ ኣብታ ሃገር እንተ ጠመትካ ኸኣ፡ እንሆ፡ ጸልማት ጸበባን፡ እቲ ብርሃንውን ኣብ ደበናታታ ይጽልምት።

 

1 በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።
2 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ።
3 እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ።
4 ብድምጺ እቶም ዘድሀዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልኤት።
5 ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ፡ በልኩ።
6 ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ አዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ።
7 ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሐቐልካ፡ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ፡ በለ።
8 ንመን ክልእኽ? መንከ ኪኸደልና እዩ? ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ።
9-10 ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
11 ኣነ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለ፡ ከተማታት ክሳዕ ዚባድማ እሞ ዚነብረን ዜብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድም፡
12 እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዜግዕዞም፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገርውን ጽምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዚበዝሕ።
13 ዕሽር እኳ ኣብኣ እንተ ተረፈ፡ ንሱውን መሊሱ ኺጠፍእ እዩ። ግናኸ ከምቲ መመናን ኣውሕን ምስ ተቘርጸ፡ ጒንዱ ዚተርፍ፡ ከምኡ እቲ ቅዱስ ዘርኢ ጒንዱ ኪኸውን እዩ።

1 ኰነ ኸኣ፡ ሬጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ብዘመን ኣሃዝ ወዲ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ተላዕሉ፡ ግናኸ ኣይተኻእሎምን።
2 ንቤት ዳዊት ከኣ፡ ሶርያ ኣብ ኤፍሬም ሰፊሮም፡ ኢሎም ኣውረዩሎም። ከምቲ ኣእዋም ዱር ብንፋስ ዚናውጽ፡ ልቡን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ።
3 ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ በሎ፡ ንስኻ ምስ ሸኣርያሸብ፡ ወድኻ፡ ውጻእ እሞ ኣብቲ ወሰን መስኖ ላዕላይ ቀላይ ብጽርግያ ግራት ሓጻቢ ንኣሃዝ ተቐባበሎ፡
4 እሞ ንገሮ፡ ተጠንቀቕ፡ ህዳእ ኣይትፍራህውን፡ በዘን ክልተ ተኸኽቲ ተረፍ እያድ፡ በቲ ናይ ሬጺንን ናይ ሶርያን ናይ ወዲ ረማልያን ጒሁር ቊጥዓ ኸኣ ልብኻ ኣይጥፋእ።
5-6 ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ናብ ይሁዳ ንደይብ እሞ ንሸብራ፡ ኣፍሪስና ንእቶ፡ ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብአ ነንግሶ፡ እናበሉ እኩይ መኺሮምልካ ኣለው።
7-8 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ኸኣ ሬጺን እዩ እሞ፡ እዚ ኣይኪቐውምን ኣይኪኸውንን ድማ እዩ፡ ብስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ህዝቢ ኸይከውን ኪጭፍለቕ እዩ።
9 ርእሲ ኤፍሬም ከኣ ሰማርያ እያ፡ ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ። እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓቂ ኣይትጸንዑን ኢኹም።
10-11 እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፡ ካብቲ ዓሚቚ ወይስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሪኽ ለምን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ንኣሃዝ ነገሮ።
12 ኣሃዝ ግና፡ ኣይልምንን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፍትኖን እየ፡ በለ።
13 ሽዑ በለ፡ እምበኣርሲ ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ስምዑ፡ እቲ ንሰብ ላሕ ምባልኩምዶ ውሒዱ እዩ፡ ንኣምላኸይ ድማ ላሕ እተብልዎ?
14 ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።
15 ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ክሳዕ ዚፈልጥሲ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ።
16 እቲ ቘልዓ ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ከይፈለጠ፡ ሃገር እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ኽልተ ነገስታ ክትሕደግ እያ።
17 ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ኻብ ዚፍለ መዓልቲ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ዘመሰለ መዓልትታት ከቶ ዘይመጻ፡ ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ኬምጽእ እዩ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ ወሰን ርባታት ግብጺ ዘሎ ጽንጽያን ኣብ ምድሪ ኣሶር ዘሎ ንህብን ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ።
19 ንሳቶም ከኣ ኪመጹ እሞ ኲላቶም ኣብ ጽምዊ ሽንጭሮን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኣብ ኲሉ ኣእሻዂን ኣብ ኲሉ ስዕሩር ምድርን ኪሰፍሩ እዮም።
20 በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በታ ኻብ ስግር ርባ እተኻረያ መላጸ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር፡ ንርእስን ንጸጒሪ እግርን ኪላጺ እዩ፡ ንጭሕሚውን ኪሰዶ እዩ።
21-22 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ።
23 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ዝገምጋሙ ሽሕ ተኽሊ ወይኒ ዘለዎ ዂሉ ስፍራስ፡ እሾዂን ተዀርባን ኪዀኖ እዩ።
24 ኲላ እታ ምድሪ እቲኣ እሾዂን ተዀርባን ክትከውን እያ እሞ፡ ፍላጻን መንትግን ሒዞም ናብኣ ኺኣትው እዮም።
25 እቲ ብመባሮ ዚባሮ ዝነበረ ዂሉ ዀረቢት ከኣ ካብ ፍርሂ እሾዂን ተዀርባን እተላዕለ ሓደ እኳ ዚኸዶ የልቦን፡ ግናኸ መውፈር ኣብዑርን መርገጽ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ፡ ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ ኣብኡውን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ብብርዒ ሰብ ጸሐፍ፡ በለኒ።
2 እሙናት ምስክር ከኣ፡ ንኡርያ እቲ ኻህንን ንዘካርያስ ወዲ ይቤፊኽያን ወሰድኩ።
3-4 ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠ፡ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ስመዩ፡ በለኒ።
5 ከም ብሓድሽ ከኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡
6 እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ለመም ኢሉ ዚውሕዝ ማይ ሰሊሆም፡ ንዒቑ፡ ብረጺንን ብወዲ ረማልያን ከኣ ተሐጒሱ እዩ እሞ፡
7 ምእንትዚ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓብይን ማያት ርባ፡ ማለት ንጉስ ኣሶርን ኲሉ ኽብሩን፡ ኣብ ልዕሊኦም ኬደይቦ እዩ፡ ንሱውን ንዂሉ ደንደሱ ኺሐልፎን ኣብ ኲሉ ገምገሙ ኼውሕዝን እዩ።
8 ናብ ይሁዳ ጥሒሱ ኺኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ገምገሙ ወጺኡ እናሐለፈ፡ ክሳዕ ክሳድ ኪበጽሕ እዩ። ዎ ኣማኑኤል፡ ምዝርጋሕ ኣኽናፉውን ንራሕቢ ሃገርካ ኺመልኦ እዩ።
9 ኣቱም ህዝብታት፡ ነድሩ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም፡ ኣቱም ሰብ ርሑቕ ሃገር ከኣ ኲሉኹም፡ ጽን በሉ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም።
10 እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ፡ ምኽሪ ወድቡ፡ ኪዝርዘር ከኣ እዩ፡ቃል ተዛረቡ፡ ኣይኪቐውምን ድማ እዩ።
11 እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ከምዚ ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ እዚ ህዝቢ እዚ ኸይመላለስ ከምዚ ኢሉ ገሰጸኒ፡
12 እዚ ህዝቢ እዚ ምምሕሓል ንዚብሎ ዂሉ ምምሕሓል ኣይትበልዎ፡ ነቲ ዚፈርሆ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፡ ብእኡውን ኣይትሰክሑ።
13 ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ንእኡ ቀድስዎ፡ ንሱ ፍርሃትኩም ይኹን፡ ንሱ ስምባድኩም ይኹን።
14 ንሱ ኸኣ መቕደስ ኪኸውን እዩ፡ ነተን ክልተ ቤት እስራኤል ግና እምኒ ምዕንቃፍን ከውሒ ምንስታትን፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩውን መድፈናን መፈንጠራን ኪዀኖም እዩ።
15 ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪተሐዙን እዮም።
16 ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፡ ሕጊውን ሕተም።
17 ኣነስ ነቲ ኻብ ቤት ያእቆብ ገጹ ዚሐብእ እግዚኣብሄር እጽበ፡ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
18 እንሆ፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሀበኒ ደቅን፡ ኣብ ከረን ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ እስራኤል ንትእምርትን ተኣምራትን ኴንና ኣሎና።
19 ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ? ኢልኩም ምለሱሎም።
20 ናብ ሕግን ናብ ምስክርን፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓል እንተ ዘይተናገሩ፡ ብሓቂ ወጋሕታ የብሎምን።
21 ሸጊርዎምን ጠምዮምን ኣብታ ሃገር ኪዞሩ እዮም። ምስ ጠመዩ ድማ፡ ሐሪቖም ንንጉሶምን ኣምላኾምን ኪረግሙ እዮም። ንላዕሊ ገጾም ኬንቃዕርሩ፡
22 ናብ ምድሪ ድማ ኪጥምቱ እዮም፡ እንሆውን፡ ጸበባን ጸልማትን ዜሸብር ጽልግልግታን ኣሎ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ኪድፍኡ እዮም።

 

1 ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን እዩ። ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኬኽብራ እዩ።
2 እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም።
3 ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ንሓጐሶም ከኣ ኣዕቤኻዮ፡ ከምቲ ሓጐስ ቀውዕን ከምቲ ምርኮ ኺማቐሉ ኸለው ዚሕጐሱን፡ ከምኡ ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ።
4 ነርዑት ጾሩን ንበትሪ መንኲቡን ንስላዕ ገፋዒኡን ከም ብመዓልቲ ሚድያን ጌርካ ሰበርካዮ።
5 ሰብ ኣብ ውግእ እተዐጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዐለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ።
6 ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።
7 ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።
8 እግዚኣብሄር ናብ ያእቆብ ቃል ሰደደ፡ እዚውን ኣብ እስራኤል ወደቐ።
9-10 ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምን፡ ጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽ፡ ኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም።
11 ስለዚ እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ፌጺን ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉ፡ ንጸላእቱውን ኬለዓዕሎም እዩ፡
12 ሰብ ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎም እዮም። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
13 እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱን፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን።
14 ስለዚ እግዚኣብሄር ንርእስን ጭራን፡ ንስየን ሰልሰላን ካብ እስራኤል ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጾ እዩ።
15 እቲ ዓብይን እቲ ምርኡይን ርእሲ እዩ፡ እቲ ሓሶት ዚምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።
16 መራሕቲ እዚ ህዝቢ እዚ መስሓትቲ እዮም፡ እቶም ብኣታቶም ዚምርሑውን ኪጠፍኡ እዮም።
17 ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በጒባዞም ኣይኪሕጐሱን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይኪርሕርሓሎምን እዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
18 ረሲእነት ከም ሓዊ ይነድድ እሞ፡ ንእሾዂን ተዀርባን ይበልዖ፡ ኣብ ጽቡቕ ዱር ይባራዕ፡ ከም ኣዕኑድ ትኪውን ንላዕሊ ይወጽእቕ።
19 እታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን።
20 ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ።
21 ምናሴ ንኤፍሬም፡ ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ይበልዖ፡ ሐቢሮምውን ንይሁዳ ይቃወምዎ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።

 

1-2 እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም።
3 ብመዓልቲ ቕጽዓትን ህቦብላን ኻብ ርሑቕ ምስ ዚመጽእን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ረዲኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሀድሙ? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሐድግዎ ኢኹም?
4 ብዘይ ኣብ ትሕቲ እሱራት ምድናንን ኣብ ማእከል ቅቱላት ምውዳቕን ዚተርፎም የልቦን። ምስናይ እዚ ዂሉ ቒጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
5 ኣሶር ሸቦጥ ቊጥዓይ ወይለኡ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ኸኣ ኲራይ እዩ።
6 ናብ ረሲእ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፡ ኪዘምትን ኪብዝብዝን ከም ጭቃ ኣደባባይ ከኣ ኪረግጾምንሲ፡ ናብቲ ወለዶ ነድረይ ክእዝዞ እየ።
7 ንሱ ግና ከምኡ ኣይመስሎን፡ ልቡውን ከምኡ ኣይሐስብን እዩ፡ ኣብ ልቡስ ምጥፋእን፡ ንሒደት ዘይኰነ ኣህዛብ ከኣ ምጽናትን እዩ ዘሎ።
8 ይብል ኣሎ እሞ፡ ኲሎም መሳፍንተይዶ ነገስታት ኣይኰኑን?
9 ከልኖዶ ኸም ከርከሚሽ ኣይኰነትን? ሃማትከ ኸም ኣርፋድዶ ኣይኰነትን? ሰማርያስ ከም ደማስቆዶ ኣይኰነትን?
10 ከምቲ ነቶም ካብ የሩሳሌምን ካብ ሰማርያን ዚበልጽ፡ ጽሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስትታት ጣኦታት፡ ኢደይ ዘርከበቶም፡
11 ከምቲ ንሰማርያን ንጣኦታታን ዝገበርክዎ፡ ንየሩሳሌምን ንጣኦታታንሲ ኸምኡዶ ኣይክገብርን እየ?
12 እምበኣርሲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ኲሉ ግብሩ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ፈጸመ፡ ነቲ ፍረ ዕቡይ ልቢ ንጉስ ኣሶርን፡ ንድርቅና እተን ኲሩዓት ኣዒንቱን ክቐጽዕ እየ።
13 ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣስተውዓሊ ስለ ዝዀንኩ፡ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ገበርክዎ፡ ንዶብ ህዝብታት ከኣ ኣዝበልክዎ፡ ንመዛግቦም ድማ ዘመትክዎ፡ ከም ጅግናውን ነቶም ኣብ ዝፋን እተቐመጡ ኣውረድክዎም።
14 ኢደይ ከኣ ንሃብቲ ህዝብታት ከም ቤት ዑፍ ረኸበቶ፡ ከምቲ ንድርቡይ እንቋቚሖ ዚእክቦ፡ ኣነውን ከምኡ ንብዘላ ምድሪ ኣኪበያ ኣሎኹ እሞ፡ ሓደ እኳ ኽንፉ ዜንገብግብ፡ ወይስ ኣፉ ኸፊቱ ጭቚጭቚ ዚብል ኣይነበረን።
15 ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዲ ይጀሀር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ? ሸቦጥሲ ነቶም ዚልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶም? በትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ?
16 ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናብቶም ህጣራታቱ ዕብራን ኪሰድድ እዩ፡ ብትሕቲ ኽብሩውን፡ ከም ምብራዕ ሓዊ ገይሩ፡ ባርዕ ኬባርዕ እዩ፡
17 እቲ ብርሃን እስራኤልሲ ሓዊ፡ ቅዱሱ ድማ ሃልሃልታ ኪኸውን እዩ፡ ንእሾኹን ተዀርባኡን ከኣ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኺበልዖ እዩ።
18 ንኽብሪ ዱሩን ፈራዪ ግርሁኡን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ኼጥፍኦ እዩ፡ ከምቲ ምምህማን ብሕማም ዝማሰነ ሰብ ኪኸውን እዩ።
19 እቲ ኻብ ዱሩ ዝተረፈ ኣእዋም ከኣ፡ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዚጽሕፎ፡ ቊጽሪ ሒደት ኪኸውን እዩ።
20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ካብ እስራኤል ዝተረፉን እቶም ዘምለጡ ናብ ቤት ይእቆብን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኪጽግዑ እዮም እምበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣብቲ ወቓዒኦም ኣይኪጽግዑን እዮም።
21 እቲ ትራፍ፡ እቲ ኻብ ያእቆብ ዝተረፈ፡ ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ኪምለስ እዩ።
22 ዎ እስራኤል፡ ህዝብኻ ኸም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ ተረፍ ጥራይ ኪምለስ እዩ፡ ጥፍኣት ምዱብ እዩ፡ እዚውን ንጽድቂ ኼውሕዞ እዩ።
23 ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ማእከል ኲላ ምድሪ ምዱብ ጥፍኣት ኪፍጽም እዩ።
24 ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ኣታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘሎኻ ህዝበይ፡ ኣሶርሲ ምንም እኳ ብስላዕ እንተ ወቕዓካ፡ ከምቲ ኣዋቓቕዓ ግብጺ በትሩ እንተ ኣልዐለልካ፡ ኣይትፍርሃዮ።
25 ቅሩብ ጊዜ እምበር እቲ ዂራ ኺወዳእ፡ ቊጥዓይ ከኣ ንጥፍኣቶም ኪምለስ እዩ።
26 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ሆሬብ ንሚድያን ዝወቕዓ፡ ጭጒራፍ ኬልዕለሉ እዩ፡ በትሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮውን ኬልዕሎ እዩ።
27 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ጾሩ ኻብ መንኲብኻ፡ ኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኺወርድ እዩ። እቲ ኣርዑትውን ካብ ስብሒ እተላዕለ ኺስበር እዩ።
28 ናብ ዓያት ይመጽእ፡ ብሚግሮን ይሐልፍ፡ ኣብ ሚኽማሽ ኣቓሕኡ የንብር ኣሎ።
29 ብኽሳድ ይሐልፉ፡ ኣብ ጌባ ኸኣ ማሕደሪኦም ይገብሩ ኣለው። ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ ድማ ትሀደም ኣላ።
30 ኣቲ ጓል ጋሊም፡ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፡ ዎ ላይሻ፡ ጽን በሊ፡ ኣናቶት ከኣ ይወኣነይቲ።
31 ማድሜና ትሀድም፡ ሰብ ጌቢም ከኣ ከብቶም የህድሙ።
32 በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኸረን ጓል ጽዮን፡ ኣብ ኲርባ የሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
33 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንጨናፍር ብዜሰክሕ ሓይሊ ይሰልዖም፡ እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ይቚረጹ፡ እቶም ልዑላት ከኣ ለጠቕ ይብሉ ኣለው።
34 ነቲ ዕሙር ዱር ብሓጺን የብርሶ፡ ሊባኖስ ከኣ ብኢድ እቲ ስልጡን ይወድቕ።

1 ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።
2 ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ።
3 ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ።
4 ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኑ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን፡ ብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኺወቕዓ፡ ብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ።
5 ጽድቂ ኸኣ ቅናት ሕቚኡ፡ እምንነትውን ማዕጥቖ ምሕኲልቱ ኪኸውን እዩ።
6 ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።
7 ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።
8 ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ።
9 ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።
10 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣህዛብ ነቲ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሱር እሰይ ኪደልዩ እዮም፡ ማሕደሪኡ ኸኣ ክቡር ኪኸውን እዩ።
11 በታ መዓልቲ እቲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ ኣሶርን ካብ ግብጽን ካብ ጳጥሮስን ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤላምን ካብ ሲንኣርን ካብ ሃማትን ካብ ደሴታት ባሕርን ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮስ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ።
12 ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ።
13 ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፡ ጸላእቲ ይሁዳ ኸኣ ኪጸንቱ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይከጨንቖን እዩ።
14 ኣብ መንኲብ ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ኪነፍሩ፡ ብሓደ ዀይኖም ድማ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤዶምን ሞኣብን ኢዶም ኬውድቑ እዮም፡ ደቂ ዓሞን ከኣ ኪእዘዝዎም እዮም።
15 እግዚኣብሄር ድማ ንልሳን ባሕሪ ግብጺ ኼንቅጾ እዩ፡ ብብርቱዕ ንፋሱ ኸኣ ንኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ኼዋጣውጦ፡ ሾብዓተ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ነቲ ርባ ኺወቕዖ እዩ፡ ሳእኒ ኣእቲኻ ኸም ዚስገርውን ኪገብሮ እዩ።
16 ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ኣሶር ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቢ ጽርግያ ኪኸውን እዩ።

 

1 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየ፡ ተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቊጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ።
2 እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።
3 ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፡ ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።
5 ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ።
6 ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን።

 

1 ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ በቢሎን ዝረኣዮ ጾር።
2 ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣድህዩሎም፡ ብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ።
3 ነቶም እተቐደሱለይ ኣዚዘዮም፡ ንጀጋኖይ፡ ነቶም ብኽብረይ እልል ዚብሉ፡ ንምፍጻም ቊጥዓይ ጸዊዔዮም ኣሎኹ።
4 ድምጺ ወኻዕታ ኸም ናይ ዓብዪ ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ። ድምጺ እቶም እኩባት መንግስትታት ኣህዛብ ንሰራዊት ኪስለፉ ይእዝዞም ኣሎ።
5 እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹ።
6 መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ።
7 ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ኪብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ኪመክኽ እዩ።
8 ኪስምብዱ፡ ቃንዛን ሓዘንን ኪሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ኬቕለልው፡ ተገሪሞም ነንሓድሕዶም ኪጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ።
9 እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም፡ ብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ ኣላ።
10 ከዋኽብትን ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ፡ ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ።
11 ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡ ንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።
12 ንሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ኤር ኻብቲ ወርቂ ኦፊር ዝከበረ ኽገብሮ እየ።
13 ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እያ።
14 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከም እተሀድነት እራብን፡ ኣካቢ ኸም ዜብሉ መጓሰን ኰይኖም፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሄህዝቡ ኺምለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃሃገሩ ኺሀድም እይ።
15 እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡ እተታሕዘ ዂሉ ኸኣ ብሴፍ ኪወድቕ እዩ።
16 ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን።
17 እንሆ፡ ነቶም ግዲ ብሩር ዜብሎም፡ ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከተንስኦም እየ።
18 መንትጎም ነጒባዝ ኬውድቖም እዩ፡ ንፍረ ማሕጸን ኣይኪምሕሩን እዮም፡ ኣዕንቶም ከኣ ንቘልዑ ኣይኪድንግጻሎምን እየን።
19 ባቢሎን፡ ጌጽ መንግስትታት፡ ናይ ከለዳውያን ዕቡይ ስልማት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ።
20 ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳን ኣይኪተክልን እዩ፡ ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም።
21 ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኺሰፍሩ እዮም፡ ኣባይታ ጒንጓታት ኪመልእ እዩ፡ ሰገን ኣብኣ ኺነብራ እየን፡ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኺሰራሰሩ እዮም።
22 ኣኽላባት በረኻ ኣብ ኣደራሻታ፡ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ጽቡቕ ግምብታታ ኺንቅው እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፡ መዓልትታታውን ኣይኪድንጒያን እየን።

 

1 እግዚኣብሄር ንያእቆብ ኪምሕሮ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ንእስራኤል ኪሐርዮም፡ ኣብ ሃገሮም ድማ ኬቚሞም እዩ። ማእከላይ ዓሌት ኪጽምበርዎም፡ ኣብ ቤት ያእቆብውን ኪለግቡ እዮም።
2 እቶም ህዝብታት ሒዞም ናብ ቦታኦም ኪወስድዎም እዮም፡ ቤት እስራኤል ድማ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ኣብቲ ምድሪ እግዚኣብሄር ገንዘቦም ኪገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ኪማርኹ፡ ነቶም ገፋዕቶም ድማ ኪገዝኡ እዮም።
3 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ካብ ጻዕርኻን ካብ መከራኻን ካብቲ ኣብኡ ኣእትዮምኻ ዝነበሩ ጽኑዕ ባርነትን ምስ ዜዕርፈካ መዓልቲ፡
4 ሽዑ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፡ ከመይ ኢሉ እቲ ጨቋኒ ተወዲኡ? ኤረ እቲ ግፍዒኸ ኸመይ ኢሉ ተወዲኡ?
5 እግዚኣብሄር ንበትሪ ረሲኣን፡ ነቲ ዘንጊ ገዛእቲ፡ ሰበሮ።
6 ነቲ ንህዝብታት ብቚጥዓ ኸየቛረጸ ዝወቕዖም፡ ነቲ ብዂራን ዓጋቲ ብዜብሉ ምስጓጒን ነህዛብ ዝገዝኤ ዘንጊ ሰበሮ።
7 ኲላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ ኣላ፡ ሰብውን እልል ይብሉ ኣለው።
8 ጽሕድታትን ኣእዋም ሊባኖስን እኳ፡ ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ ኪቘርጸና ዝደየበ የልቦን፡ እናበሉ ብዛዕባኻ ይሕጐሱ ኣለው።
9 እቲ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ክትመጽእ ከሎኻ ኺቀባበለካ ኢሉ ብኣኻ የዕገርግር፡ ንድኔታትን ንዂሎም ስልጡናት ምድርን የበራብረልካ፡ ንዂሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋውንቶም የተንስኦም።
10 ኲላቶም ከኣ፡ ንስኻውንዶ ኸማና ሐሚቕካ? ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ? ኢሎም ኪመልሱልካ እዮም።
11 ክብረትካን ቃና መሰንቆታትካን ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ መንጸፍካ ሓሳኹ፡ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም።
12 ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ።
13 ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላክ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ።
14 ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ።
15 ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ።
16-17 ዚርእዩኻ ይጥምቱኻን የስተብህሉልካን እሞ፡ እቲ ንምድሪ ዜንቀጥቅጣን ንመንግስትታት ራዕራዕ ዜብለንን፡ እቲ ንዓለም ዘባደማን ንኸተማታታ ዘፍረሰን ንምሩኻቱ ኸኣ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ዘይፈትሖም ሰብኣይዶ እዚ እዩ? ይብሉ ኣለው።
18 ኲሎም፡ ነገስታት ኣህዛብ፡ ብዘለው ዂሎም፡ ኣብ በቤቶም ብኽብሪ በጥ ኢሎም ኣለው፡
19 ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ እተወግኡን ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፡ ከም እተረግጸ ገምቢ፡ ከም ፍንፋን ጨንፈር ኴንካ፡ ርሑቕ ካብ መቓብርካ ተደርቤኻ።
20 ንስኻ ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡ ንህዝብኻ ቐቲልካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ እከይ ንዘለኣለም ኣይኪስመን እዩ።
21 ከይትንስኡ ንምድሪ ኸኣ ከይወርሱ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብኸተማታት ከይመልእዋ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንውሉድ ማሕረዲ ኣዳልው።
22 ኣነ ኽትንስኦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስምን ትርፍን ወድን ወዲ ወድን ካብ ባቢሎን ከጽንት እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
23 ማሕደር ቅንፍዝን ዓዘቕትን ክገብራ፡ ብመዀስተር ጥፍኣት ድማ ክዂስትራ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
24 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።
25 ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰባብሮ፡ ኣብ ኣኽራነይ ድማ ኽረግጾ እየ፡ ሽዑ፡ ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪውሰድ፡ ጾሩውን ካብ መንኲቦም ኪውሰድ እዩ።
26 ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ዝመደብክዎ ምኽሪ እዚ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ እተዘርግሔት ኢድ እዚኣ እያ።
27 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ፡ መን ከንቱ ይገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፡ መንከ ይመልሳ?
28 በታ ንጉስ ኣሃዝ ዝሞተላ ዓመት እዚ ጾር እዚ ዀነ፡
29 ካብ ሱር ተመንሲ ኸይሲ ኺወጽእ እዩ፡ ፍሬኡ ኸኣ ዚነፍር ርሱን ተመን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣቲ ፍልስጥኤም ብዘሎኺ፡ እቲ ዝወቕዓኪ ሸቦጥ ስለ እተሰብረ ኣይትተሐጐሲ።
30 በዂሪ እቶም ድኻታት ኪጓስዩ፡ ሽጉራት ከኣ ሀዲኦም ኪሰፍሩ እዮም። ንሱርኪ ግና ብጥሜት ክቐትሎ እየ፡ ትርፍኺ ድማ ኪሕረድ እዩ።
31 ትኪ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ሰራዊቱ ኸኣ ንበይኑ ዚተርፍ የልቦን እሞ፡ ኣታ ደገ፡ ዋይዋይ በል፡ ኣቲ ኸተማ፡ ኣእውዪ፡ ብዘሎኺ ፍልስጥኤም ከኣ፡ ምኸኺ።
32 ንልኡኻት ህዝብኻ እንታይ ኢሎም ኪመልሱሎም እዮም? እግዚኣብሄር ንጽዮን ከም ዝሰረታ፡ እቶም ሽጉራት ህዝቡ ኸኣ ኣብኣ ጸግዒ ኸም ዚረኸቡ።

 

1 ጾር ብዛዕባ ሞኣብ። ኣየ፡ ኣር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ፡ ኣየ፡ ቂር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ።
2 ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን ኪበኽያ ናብ በረኽቲ ይወጻ ኣለዋ፡ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን ኣብ ልዕሊ ሜድባን ኰይና ዋይዋይ ትብል ኣላ፡ ኲሉ ርእሶም ነዃዕ፡ ኲሉ ጭሕሚ ኸኣ ቊሩጽ እዩ።
3 ኣብ ኣደባባያ ኽዳን ሓዘን ይዕጠቑ፡ ኣብ ኣናሕሳን ኣብ ዕዳጋኣን ዋይዋይ እናበሉ ንብዓት የውሕዙ።
4 ሄስቦንን ኤልዓለን የእውያ፡ ድምጸን ክሳዕ ያሓጽ ይስማዕ፡ ስለዚውን ናይ ማኣብ ተዋጋእቲ የእውዩ፡ ነፍሱ ኣብ ውሽጡ ተንቀጥቅጥ ኣላ።
5 ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፡ እቶም ህዱማታ ኽሳዕ ጾኣር፡ ናብ ኤግላት – ሸሊሽያ ይሀድሙ፡ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ፡ ኣብቲ ናይ ሆሮናይም ዚወስድ መገዲውን ኣውያት ጥፍኣት ይተኽሉ ኣለው።
6 ማያት ኒምሪም ነጺፉ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ነቐጸ፡ ለቕሚ ቐምሰለ፡ ለምዒ የልቦን።
7 ስለዚ ነቲ ዘትረፍዎን ነቲ ዝዐቘርዎን ብርባ ዕቦል ኬሳግርዎ እዮም።
8 ንዶባት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፡ ብኽያታ ኽሳዕ ኤግላይም፡ ብኽያታውን ክሳዕ ብኤር – ኤሊም በጽሔ።
9 ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፡ ኣብ ዲሞን ዝገደደ ኽውስኽ እየ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘምለጡ ሰብ ሞኣብን ኣብ ልዕሊ ተረፍ እቲ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።

1 ገናሽል ናብቲ ገዛእ ሃገር ካብ ሴላ ብበረኻ ኣቢልኩም ናብ ከረን ጓል ጽዮን ስደዱ።
2 ከም ዚሀድማ ኣዕዋፍ፡ ከም ካብ ቤተን እተሰጓ ወለሊድ ዑፍ፡ ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪ ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን።
3 ምኽሪ ምኽሪ፡ ፍርዲ ፍርዲ፡ ቀትሪ ኸሎ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ፡ ንስጉጓት ሕብኢ፡ ንህዱማት ኣይትግለጺ።
4 እቲ ጠዋዪ ጠፊኡ፡ ምዝማት ከኣ ተወዲኡ፡ ጨቈንቲ ሃገርውን ህልም ኢሎም እዮም እሞ፡ ዎ ሞኣብ፡ ንሰጉጓተይ ምሳኺ ኣስፍርዮም፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዘማቲ ኸውሊ ዂንዮ።
5 ዝፋን ብምሕረት ኪትከል፡ ኣብኡውን ዚፈርድን ቅንዕና ዚደልን ጽድቂ ንምግባር ዚፈጥንን ብሓቂ ኣብ ድንኳን ዳዊት ኪቕመጥ እዩ።
6 ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ፡ እዛ ኣዝያ ዕብይቲ፡ ብናይ ኲርዓታ፡ ምብርጣጣ፡ ቊጥዓኣ፡ ከንቱ ዝዀነ ጃህርኣ ሰማዕና።
7 ስለዚ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ክትብለላ እያ፡ ኲላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም፡ ብዛዕባ ናይ ቂር – ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ ኣስቈርቊርኩም ክትበኽዩ ኢኹም።
8 ግርሁ ሄስቦንን ኣትክልቲ ወይኒ ሲብማን ጸምልዩ ኣሎ። እተን ክቡራት ተኽልታታ ጨናፍረን ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳዕ ያዕዜር በጺሑ፡ ኣብ በረኻ ወፊሩ፡ ባሕሪ ተሳጊሩ ዝነበረስ፡ እቶም ጐይተት ኣህዛብ ሰበርወን።
9 ስለዚ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ብኽያት ያዕዜር እበኽየሉ ኣሎኹ፡ ኣብ ፍረ ሓጋይኪ፡ ኣብ ቀውዕኺ ናይ ውግእ ጭድርታ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዎ ሄስቦን፡ ንኣኺውን እልዓለ፡ ብንብዓተይ ኤተርክሰኪ ኣሎኹ።
10 ሓጐስን ተድላን ካብቲ ፈራዪ ግርሁ ተወሲዱ፡ ኣብ ኣታኽልትታት ወይኒ ኸኣ ደርፍን እልልታን የልቦን፡ ኣብ መሓምተሊ ሓደ እኳ ወይኒ ዚረግጽ ረጋጺ የልቦን። ንጭድርታ ሓጐስሲ መወዳእታ ገይረሉ እየ።
11 ስለዚ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፡ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂር – ሄሬስ ከም መሰንቆ ይቚዝም ኣሎ።
12 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ሞኣብ ኣብቲ በሪኽ መጺኡ እንተ ጸዐረ፡ ኣብ መቕደሱ ኺጽሊ እንተ ኣተወ፡ ገለ እኳ ዜስልጦ የብሉን።
13 እግዚኣብሄር ብናይ ሞኣብ ቀደም እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ።
14 ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ከም ቊጽሪ ዓመት ዓስቢ ዓሳብ፡ ብሰለስተ ዓመት ክብሪ ሞኣብ ምስናይ ብዝሒ ህዝቡ ኺዋረድ እዩ፡ እቲ ዝተረፈውን ኣዝዩ ሒደትን ጥቑዕን ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ።

 

1 ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍ፡ ዖና ዃና ኽትከውን እየ።
2 ከተማታት ኣሮኤር ተሐዲጉ፡ ብዘይ ፍርሃት ዚነብራሉ፡ መውፈር መጓሴታት ኪኸውን እዩ።
3 እምባ ኻብ ኤፍሬም፡ መንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆ፡ ትርፊ ሶርያውን ኪጠፍእ እዩ። ከም ክብሪ ደቂ እስራኤል ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪውሕድ፡ ህጥራን ስጋኡውን ኪዐብር እዩ።
5 ከምቲ ዓጻዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ ዚጭምርሮ፡ ብቕልጽሙ ኸኣ ነቲ ወረን ዚዐጽዶ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ለሰ ረፋይም ንወረን ዚቕርምዎ ድማ ኪኸውን እዩ።
6 ግናኸ ከምቲ ኣውልዕ ምስ ተነዝነዘ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕላይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይስ ሰለስተ ፍረ፡ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከኣ ኣርባዕተ ወይስ ሓሙሽተ ኸም ዚተርፍ፡ ኣብኡ ሒደት ቀሪም ኪተርፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።
7 በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኪብል፡ ኣዒንቱ ኸኣ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪርእያ እየን።
8 ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢ ግልጽ ኣይኪብልን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣስታርቴታት ወይስ ናብ ሓወልቲ ጸሓይ ኣይኪጥምትን እዩ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽኑዓት ከተማታቱ፡ ከምቲ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እተሐድገ ቦታታት፡ ዱርን ርእሲ ኣኽራንን ኪዀና እየን፡ ኪባድማ ድማ እየን።
10 ንኣምላኽ ምድሓንኪ ስለ ዝረሳዕኪ፡ ንኸውሒ ሓይልኺውን ስለ ዘይዘከርኪ፡ ስለዚ ባህ ዜብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፡ ጋሻ ዝዀነ ሓረግ ወይኒውን ተፍልሲ ኣሎኺ።
11 በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ ትሐጽርዮ፡ ኣንጊህኪ ኸኣ ንዘርእኺ ተዐንብብዮ፡ ግናኸ ቀውዒ ብመዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን ይመልቚ።
12 ኣየ፡ ህማም ብዙሕ ህዝብታት፡ ከም ህማም ባሕሪ ይሀምም ኣሎ፡ ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው።
13 ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው፡ ግናኸ ንሱ ይገንሖም፡ ኣርሒቖም ከኣ ይሀድሙ። ከም ብቚቡቚ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ይብተኑ።
14 ኣጋ ምሸት እንሆ፡ ስምባድ ይመጽእ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ኸኣ የለውን። ግደ እቶም ዝማረኹና፡ ብጽሒት እቶም ዝዘመቱና እዚ እዩ።

 

1 ኣየ፡ ኣታ ኣብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ ዘሎኻ፡ ሃገር እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ።
2 ኣታ በተን ኣብ ልዕሊ ማያት ዚሰፋ መርከብ ሰልሰላ ጌርካ፡ ብባሕሪ ልኡኻት እትልእኽ ሃገር፡ ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ናብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ዚኽፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።
3 ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፡ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘሎኹም ኲላትኩምውን፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣኽራን ልዕል ምስ በለ፡ ተመልከቱ፡ መለኸት ምስ ዚንፋሕ፡ ጽን በሉ።
4 እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ከም ዳህሪ እቲ ዜንጸባርቕ ጸሓይ፡ ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ረስኒ ቐውዒ፡ ሀዲኤ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኰይነ ኽጥምት እየ።
5 ቅድሚ ቐውዒ፡ ጊዜ ምዕምባብ ምስ ሐለፈ፡ ዕምባባ ኸኣ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ ከደ፡ ንሓረግ ብኻራ ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ኪቘርጾ፡ ነቲ ጫሌዳ ሱር ድማ ኬርሕቖን ኪቘርጾን እዩ።
6 ኲላቶም ሐቢሮም ኣደዳ ኣሞራን ኣኽራንን ኣራዊት መሮርን ኪዀኑ እዮም፡ ኣሞራታት ከኣ ኣብኦም ኪሐግዩ፡ ኲላቶም ኣራዊት መሮር ድማ ኣብኦም ኪኸርሙ እዮም።
7 በቲ ጊዜ እቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ካብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ካብቲ ዚኸፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ፡ ናብታ ስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን ገጽ በረኸት ኪቕረብ እዩ።

 

1 ጾር ብዛዕባ ግብጺ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብቕልጡፍ ደበና ይወጽእ፡ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፡ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ።
2 ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓው፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ።
3 መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም።
4 ንግብጻውያን ናብ ኢድ ደረቕ ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5 ማያት ካብ ባሕሪ ኺጠፍእ፡ ርባውን ነጺፉ ኺነቕጽ እዩ።
6 ርባታት ኪጽይእ፡ መሳኑ ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ፡ ሰልሰላን ጋሳን ኪጽምልው እዮም።
7 ሸኻታት ኒል፡ ገምገመ ገምገም ኒል ዘሎን፡ ኣብ ጥቓ ኒል ዚዝራእ ዘበለን ኪሀጒጒ፡ ኪጠፍእ ኣይኪርከብን ድማ እዩ።
8 ገፈፍቲ ዓሳ ኼስቈርቊሩ፡ እቶም ኣብ ኒል መቚለብ ዚድርብዩ ዂሎም ኪሐዝኑ፡ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዚዝርግሑ ድማ ሕሊናኦም ኪዐርብ እዩ።
9 እቶም ዓየይቲ እተባዘተ ቓንጫ እንጣጢዕን እቶም ኣለምቲ ጻዕዳ ኽዳውንትን ኪሐፍሩ እዮም።
10 ኣዕኑዳ ኺስበሩ፡ እቶም ብዓስቢ ዚዐዩ ዂሎምውን ኪጒህዩ እዮም።
11 መሳፍንቲ ጾኣን ኣዝዮም ዐሸው፡ ምኽሪ እቶም ጥበበኛታት መኸርቲ ፈርኦንሲ ዕሽነት ኰነ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርኦን፡ ኣነ ወዲ ጥበበኛታት፡ ወዲ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት እየ፡ እትብልዎ?
12 እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለው? እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብናይ ግብጺ ዝመደቦ እንታይ ከም ዝዀነ ይፍለጡ እሞ እስከ ይንገሩኻ።
13 መሳፍንቲ ጾኣን ዐሽዮም፡ መሳፍንቲ ኖፍ ተጠቢሮም፡ ንግብጺ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታታ ኣጋገይዋ።
14 እግዚኣብሄር መንፈስ ዝርግርግ ኲዕዩላ፡ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዚብል፡ ንግብጺ ኣብ ኲሉ ተግባራ ኣጋገይዋ።
15 ዝዀነ ዕዮ፡ ርእሲ ወይስ ጭራ፡ ስየ ወይስ ሰቲ ዚገብሮ፡ ንግብጺ ኣይኪጠቕማን እዩ።
16 በታ መዓልቲ እቲኣ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን እያ፡ ብምውጥዋጥ እታ እተወጣውጠላ ኢድ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ራዕራዕ ክትብልን ክትስምብድን እየ።
17 ሃገር ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሰክሒ ኽትኰና እያ። ነፍሲ ወከፍ ንእኣ ዘዘክርዎ ኸኣ ብምኽንያት እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ መዲብዎ ዘሎ ምኽሪ ኺሽበር እዩ።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ቛንቋ ኸንኣን ዚዛረባ፡ ብእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ዚምሕላ ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርከባ እየን፡ ሓንቲኤን ኢር – ሄሬስ ክትበሃል እያ።
19 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ።
20 እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ጨቈንቶም ናብ እግዚኣብሄር ኪጠርዑ እዮም እሞ፡ ንሱውን መድሓንን ተኻላኻልን ኪሰደሎምን ኬናግፎምን እዩ።
21 እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም።
22 እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓ፡ ኪወቕዓ እሞ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ።
23 በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም።
24 በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ።
25 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።

 

1 በታ ታርታን ናይ ኣሽዶድ ዝመጻላ ዓመት፡ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ምስ ለኣኾ እሞ ንኣሽዶድ ተዋጊኡ ምስ ሓዛ፡
2 በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ።
3 እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡
4 ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን፡ ስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኺወስዶም እዩ።
5 ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተስፋኦም፡ ብምኽንያት ግብጺ፡ እቲ ኽብረቶም፡ ኪስምብዱን ኪሐፍሩን እዮም።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩ፡ እንሆ፡ ትጽቢትና፡ እቲ ኻብ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈናስ ረዲኤት ደሊና ናብኡ ዝሀደምና እዚ እዩ፡ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና? ኪብሉ እዮም።

1 ጾር ብዛዕባ በረኻ ባሕሪ። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዚለዐል፡ ከምኡ ኸኣ በረኻ፡ ካብቲ ዚፍራህ ሃገር ይመጽእ።
2 መሰክሕ ዝዀነ ራእይ ተገልጸለይ፡ ዓማጻይ ይዕምጽ፡ ማራኻይ ይማርኽ ኣሎ። ኣቲ ኤላም፡ ደይቢ፡ ዎ ማዳይ፡ ክበቢ፡ ንምስቊርቋር ዘበለ ዂሉ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
3 ስለዚ ሕቘይ ቃንዛ መሊእዎ፡ ከምታ ብጻዕሪ እትወልድ ሰበይቲ ኸኣ ጻዕሪ ሒዙኒ፡ ብሰሪ ምዕሉባጥ ምስማዕ ስኢነ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ድማ ሰምቢደ ኣሎኹ።
4 ልበይ ተመሊሑ፡ ረዓድ ሒዙኒ፡ እቲ ዝብህጎ ዘሎኹ ጽልግልግ ናብ ምንቅጥቃጥ ተለዊጡኒ።
5 መኣዲ ይዳሎ፡ ሓለውቲ ይሕልው፡ ይብላዕ፡ ይስተ ኣሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ልኸዩ።
6 እግዚኣብሄርሲ፡ ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፡ እቲ ዝረኣዮውን ይንገር፡ በለኒ።
7 ንሱ ኸኣ ጭፍራ ፈረሰኛታት በብኽልተ፡ ጭፍራ ኣእዱግ፡ ጭፍራ ኣግማል ረኣየ፡ ኣጸቢቑ ጽን በለ፡ ተጠንቂቑ ጽን በለ።
8-9 ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ ኣሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ በቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ።
10 ኣታ እተኼድካ ወዲ ዓውደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዝሰማዕክዎ ነጊረካ እኔኹ።
11 ጾር ብዛዕባ ዱማ። ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ? ኢሉ የድህየኒ ኣሎ።
12 እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሔ መሰየውን፡ ክትሐቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱ፡ መሊስኩም ከኣ ምጹ፡ በለ።
13 ጾር ብዛዕባ ዓረብ። ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሐድሩ ኢኹም።
14-15 ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊ፡ ካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማ፡ ንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉ፡ ንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም።
16 እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብዓመት ከምቲ ዓመታት ብዓል ዓስቢ፡ ኲሉ ኽብሪ ቄዳር ኪጠፍእ እዩ፡
17 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ካብ ቊጽሪ መንትግ እቶም ጀጋኑ ደቂ ቄዳር ዚተርፍ ሒደት እዩ።

 

1 ጾር ብዛዕባ ሽንጭሮ ራእይ። ኲሉ ሰብኪ ናብ ናሕሲ ዚድይብሲ እንታይ ረኺቡኪ እዩ?
2 ኣቲ ታዕታዕን ዕግርግርን ዝመልኣኪ ኸተማ፡ ኣቲ ሕጒስቲ ኸተማ፡ እቶም ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፡ ኣብ ውግእ ከኣ ኣይሞቱን።
3 ኲሎም መኳንንትኺ ሐቢሮም ሀደሙ፡ ብዘይ መንትግ ተኣሰሩ፡ ኣባኺ እተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም፡ ኣርሒቖም እኳ እንተ ሀደሙ፡ ሐቢሮም ተኣስሩ።
4 ስለዚ ኣምሪረ ኽበክስ ቊሊሕ ኣይትበሉኒ፡ ብጥፍኣት ጓል ህዝበይ ንምጽንናዕ ኣይትነዝንዙኒ፡ በልኩ።
5 መዓልቲ ዕግርግርን ረግጽን ተጓእ ምባልን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ሽንጭሮ ራእያት ኰይኑ እዩ እሞ፡ ቀጽርታት ይፈርስ፡ ኣውያት ድማ ክሳዕ ኣኽራን ይበጽሕ ኣሎ።
6 ኤላም ጒልድባ ጾረት፡ ምስ ሰብ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ወጸት፡ ቂር ዋልታ ቐልዔት።
7 እቲ ጸጽቡቕ ለሴታትኪ ብሰረገላታት መልኤ፡ ፈረሰኛታት ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ተሰለፉ።
8 ጒልባብ ይሁዳ ተቐልዔ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣጽዋር፡ ናብ ቤት ዱር ቊሊሕ በልኪ።
9 እቲ ፍሩስ ኣብ ከተማ ዳዊት ምብዝሑ ርኤኹም፡ ነቲ ማይ ከኣ ኣብቲ ታሕታይ ሓጽቢ ኣከብኩም፡
10 ነባይቲ ኸተጽንዑ ኸኣ፡ ነቲ ኣባይቲ ኣፍረስኩምዎ።
11 ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ድማ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢስ መኣከብ ማይ ገበርኩም፡ ግናኸ ናብቲ ነዚ ዝገበረ ኣይጠመትኩምን፡ ናብቲ ኻብ ጥንቲ ዘዳለዎ ኣይርኤኹምን።
12 በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንብኽያት ንዋይዋይን ንምልጻይ ርእስን ከሊ ንምዕጣቕን ጸውዓኩም።
13 እንሆ ኸኣ ታሕጓስን ደስታን ምሕራድ ኣብዑርን ምጥባሕ ኣባጊዕን ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን ኰነ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕን ንስተን፡ ትብሉ ኣሎኹም።
14 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ እዝነይ ነገረኒ፡ እዚ ዓመጻ እዚ ኽሳዕ እትሞቱ ኣይሕደገልኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
15 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ በለ፡ ናብ ሸብና፡ እቲ ኣዛዝ ቤት ኰይኑ ዘሎ ዓቃብ ቤት፡ ኪድ እሞ ንገሮ፡
16 ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ? መቓብር ኣብዚ እትወቅር፡ ኣታ መቓብርካ ኣብ ላዕሊ እትወቅር፡ ስፍራ ንርእስኻ ኣብ ከውሒ እትዂዕትሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ?
17 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ቅልጽም ኣርሒቑ ኺውርውረካ፡ ኣጸቢቑ ድማ ኪዕዂልለካ እዩ፡
18 ጠቕሊሉ የንከባልለካ፡ ከም ኲዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ሃገር ኪድርብየካ እዩ፡ ኣታ ነውሪ ቤት ጐይታኻ፡ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፡ እተን ሰረገላታት ክብርኻ ድማ ኣብኡ ኪዀና እየን።
19 ካብ ስፍራኻ ክሰጐካ እየ፡ ካብ ሽመትካ ድማ ኪስዕረካ እዩ።
20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንባርያይ ኤልያቂም ወዲ ህልቅያ ኽጽውዖ እየ፡
21 ቀሚስካ ኸልብሶ፡ ማዕጥቖኻ ኸዕጥቖ፡ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሱውን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪኸውን እዩ።
22 መኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዐጹ፡ ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን።
23 ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፡ ንቤት ኣቦኡውን ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ።
24 ክብሪ ቤት ኣቦኡ ዂሉ፡ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፡ ኲሉ ናእሽቱ ኣቓሑ፡ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኺስቀል እዩ።
25 እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር ኪመልቚን ኪቚረጽን ኪወድቕን፡እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ጾር ከኣ ኪቕረጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

1 ጾር ብዛዕባ ጢሮስ። ዖንያ እያ፡ ቤት የልቦን፡ ምእታው የልቦን እሞ፡ ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዋይዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ተገልጸሎም።
2 ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ስቕ በሉ፡ እቶም ብባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን መልኡኺ።
3 እኽሊ ሲሆርን ቀውዒ ኒልን፡ ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እቶታ ነበረ፡ ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ነበረት።
4 ባሕሪ፡ እቲ ናይ ባሕሪ ዕርዲ፡ ቅልውላው ኣይሐዘንን ኣይወለድኩን ከኣ፡ ኣጒባዝ ኣየዕቤኹን፡ ደናግል ድማ ኣየዕቤኹን፡ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ሲዶን፡ ሕፈሪ።
5 እዚ ወረ እዚ ናብ ግብጺ ምስ ዚበጽሕ፡ በቲ ወረ ጢሮስ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።
6 ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ናብ ተርሲስ ተሳገሩ እሞ ዋይዋይ በሉ።
7 እታ ኻብ ጥንቲ ዝጀመረት፡ ኣእጋራውን ናብ ርሑቕ ሃገር፡ ኣብኡ ኽትነብር ዝወስዳ ሕጒስቲ ኸተማኹምሲ እዚኣ ድያ?
8 ነታ ዘውድታት እትዕድል ዝነበረት፡ መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡ ምርኡያት ምድሪ ዝሸቃጦኣ ጢሮስሲ፡ መን እዩ እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልዕሌኣ ዝመኸረላ?
9 ንትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኼሕስር፡ ንዂሎም ምርኡያት ምድሪ ምእንቲ ኼዋርድ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝመኸሮ።
10 ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ኒል ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ኣሳፍሒ፡ ደጊምሲ ማዕጥቖ የብልክን።
11 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡ ንመንግስትታት ራዕራዕ ኣበሎም፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸነኣን ዕርድታታ ኺፈርስ አዘዘ።
12 በለ ድማ፡ ኣቲ እተዐመጽኪ ድንግል ጓል ሲዶን፡ ደጊምሲ ኣይክትሕጐስን ኢኺ፡ ተለዐሊ እሞ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፡ ኣብኡውን ህድኣትስ ኣይክትረኽብን ኢኺ።
13 እንሆ፡ ሃገር ከለዳውያን፡ ቀደም ህዝቢ ዘይነበረስ፡ – ኣሶር ንኣራዊት በረኻ መደቦ፡ – ዚኸቡሉ ግምቦም ይሰርሑ፡ ኣዳራሻታ የፍርሱ፡ ዖናውን ይገብርዎ።
14 ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዕርድኽን ፈሪሱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።
15 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ጢሮስ፡ ከም መዓልትታት ሓድ ንጉስ፡ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ግና ንጢሮስ ከምቲ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሎ ኪዀና እዩ፡
16 ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ፡ ኣጸቢቕኪ መሰንቆ ኣቓንዪ፡ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ፡ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።
17 ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ከኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ኪቐጽዓ እዩ፡ ንሳ ኸኣ ናብ ዓስቢ ምንዝርናኣ ኽትምለስ፡ ምስ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ።
18 ግናኸ ረብሓኣን እቲ ዓስቢ ምንዝርናኣን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ፡ ረብሓኣ በሊዖም ምእንቲ ኺጸግቡ፡ ብሉጽ ክዳንውን ኪኽደኑስ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚነብሩ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣይኪዕቈርን ኣይኪንበርን እዩ።

 

1 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንምድሪ ጥራያ ይገብራን የባድማን፡ ገጻ ይግምጥል፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ፋሕ የብሎም።
2 ከምቲ ንህዝቢ ኸምኡ ንኻህን ኪበጽሖ እዩ፡ ከምቲ ንባርያ ኸምኡ ንጐይታ፡ ከምቲ ንግዝእቲ ኸምኡ ንእመቤት፡ ከምቲ ንተሻያጢ ኸምኡ ንሸያጢ፡ ከምቲ ንተለቃሒ ኸምኡ ንመለቅሒ፡ ከምቲ ንብዓል ዕዳ ኸምኡ ንመዕድዪ ኺበጽሕ እዩ።
3 እግዚኣብሄር እዚ ቓል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ምድሪ ብጥራስ ጥራያ ኽትከውን ብጥራስውን ክትብዝበዝ እያ።
4 ምድሪ ትሐዝን ትጽምሉውን ኣላ፡ ዓለም ትሕለል ትጽምሉውን ኣላ፡ እቶም ምርኡያት ህዝቢ ምድሪ ይሕለሉ ኣለው።
5 ሕጊ ስዒሮም ስርዓት ለዊጦም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኺዳን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዚነብሩ ረኸሰት።
6 ስለዚ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋስ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ይቕጽዑ ኣለው፡ ስለዚ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ይነዱ፡ ሒደት ሰብ ከኣ ይተርፉ።
7 ኰልዒ ወይኒ ይሐዝን፡ ተኽሊ ወይኒ ይሕለል፡ እቶም ኣብ ልቦም ሓጐስ ዝነበሮም ኲላቶም ይትክዙ ኣለው።
8 ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፡ ጭራሕምራሕ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፡ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ፡
9 ደጊምሲ እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፡ ብርቱዕ መስተ ንሰተይቱ ይመሮም።
10 እታ ዝባደመት ከተማ ፈረሰት፡ ቤት ዘበለ ኸኣ ሰብ ከይኣትዎ ተዐጽወ።
11 ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ኣደባባይ ታዕታዕ ይብሉ፡ ታሕጓስ ዘበለ ዐረበ፡ ተድላ ምድሪ ጐዐዘ።
12 ኣብታ ኸተማስ ዑና ጥራይ ተረፈ፡ ምዕናው ከኣ ንመዓጹ ሰበረ።
13 እምበኣርሲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ከምቲ ምንዝናዝ ኣውልዕ፡ ምጒናእ ዘቢብ ተወዲኡስ፡ ቀሪም ከም ዚቕረም፡ ኪኸውን እዩ።
14 እዚኣቶም ድምጾም የልዕሉ፡ እልል ከኣ ይብሉ፡ ብዛዕባ ግርማ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ።
15 ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ምብራቕ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኣኽብርዎ።
16 ካብ ወሰን ምድሪ፡ ክብሪ ነቲ ጻድቕ ዚብል መዝሙር ንሰምዕ ኣሎና። ኣነ ግና፡ ዘማቶ ይዘምቱ፡ እወ፡ ዘማቶ ኣዝዮም ይዘምቱ ኣለው፡ ይዋእ ኣነ፡ ይዋእ ኣነ፡ ወይለይ፡ በልኩ።
17 ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር፡ ስምባድን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
18 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኻብ ደሃይ ስምባድ ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕ፡ እቲ ኻብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ብመፈንጠራ ኺትሐዝ እዩ። መሳዂቲ ኣብ ላዕሊ ተኸፊቱ እዩ እሞ፡ መሰረታት ምድሪውን የንደቕድቕ ኣሎ።
19 ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበር፡ ምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ።
20 ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ዳስ ከኣ ሰሰው ትብል፡ ኣበሳኣ ኸቢድዋ ትወድቕ፡ መሊሳውን ኣይትትንስእን።
21 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ላዕሊ ኣብ ላዕሊ፡ ንነገስታት ምድሪውን ኣብ ምድሪ ኪቐጽዕ እዩ።
22 ብሓደ ይእከቡ፡ እሱራት ኣብ ጒድጓድ ከም ዚእከቡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዕጸው፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም።
23 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኪነግስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ኪኸብር እዩ እሞ፡ ሽዑ ወርሒ ኽትሐፍር፡ ጸሓይ ክትሐንኽ እያ።

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ተኣምራት፡ እቲ ናይ ጥንቲ ምኽሪ፡ እምነትን ሓቅን ጌርካ ኢኻ እሞ፡ ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ።
2 ንኸተማስ ኲምራ እምኒ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ዑና ጌርካያ ኢኻ እሞ፡ እቲ ኣዳራሽ ጓኖት ደጊም ከተማ ኸይከውን፡ ንዘለኣለም ኣይኪስራሕን እዩ።
3 ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ፡ ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ ኣላ።
4 ነድሪ እቶም ጨካናት ከምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ እዩ እሞ፡ ንስኻ ዕርዲ ንድኻ፡ ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ፡ ካብ ሃጽፊ መዕቀሊ፡ ካብ ሃሩር መጽለሊ ዀንካ።
5 ከምቲ ንሃሩር ኣብ ደረቕ ምድሪ እተህድኦ፡ ከምኡ ንታዕታዕ ጓኖት ተህድኦ ኣሎኻ፡ ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡ ከምኡ ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት ይዝሕል ኣሎ።
6 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዂሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ፡ ኣንጒዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ።
7 ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዂሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን ነቲ ንዂሎም ኣህዛብ ዚጒልብብ መጐልበብን ኬጥፍኦ እዩ።
8 ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኲሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኲላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እንሆ፡ ኣምላኽና እዚ እዩ፡ ተጸቤናዮ፡ ኬድሕነና ኸኣ እዩ፡ እቲ እተጸቤናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና፡ ኪበሀል እዩ።
10 ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዐርፍ እያ እሞ፡ ከምቲ ሓሰር ኣብ ዕነ ዚርገጽ፡ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኺርገጽ እዩ።
11 ከምቲ ሓማሲ ኺሕምስ ከሎ ኣእዳው ዚዝርግሕ፡ ከምኡ ኣብ ማእከሉ ኣእዳው ኺዝርግሕ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንትዕቢቱ ምስናይ እቲ ተንኰል ኣእዳው ኼዋርዶ እዩ።
12 ነቲ ልዕል ዝበለ ጽኑዕ ቀጽሪ ዕርድኻ ለጠቕ ኬብሎ፡ ኬውድቖ፡ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኬብሎ እዩ።

 

1 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር ይሁዳ እዚ መዝሙር እዚ ኺዝመር እዩ፡ ጽንዕቲ ኸተማ ኣላትና፡ ቀጽርን ዕርድን ገይሩ ምድሓን ኬንብረላ እዩ።
2 እቲ ሓቒ ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኺኣቱስ፡ ደጌታት ክፈቱ።
3 ነቲ ጽኑዕ ዝሃቀናኡ:ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም እወ ብሰላም ትሕልዎ።
4 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ።
5 ነቶም ኣብ በሪኽ ዝነበሩ ለጠቕ ኣበሎም፡ ነታ ልዕል ዝበለት ከተማ ኣዋረዳ፡ ክሳዕ ምድሪ ኣዋረዳ፡ ናብ ሓመድ ጻሕ ኣበላ።
6 እግሪ ኤረ ኣእጋር ድኻታትን ስጒምቲ ሽጉራትን ይረግጻኣ።
7 መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ። ንጻድቕሲ መገዲ ተዳልወሉ ኢኻ።
8 ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መገዲ ፍርድኻ ተጸቤናኻ። ስምካን ዝኽርኻን ናፍቖት ነፍስና እዩ።
9 ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር፡ እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፡ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ።
10 ንረሲእ እንተ ራሕራሕካሉ፡ ጽድቂ ኣይመሀርን፡ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፡ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይርእዮን።
11 ዎ እግዚኣብሄር፡ ኢድካ ተላዒላ ኣላ፡ ንሳቶም ግና ኣይርእዩን፡ ግናኸ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ እትጽዕቶ ጻዓት ኪርእዩን ኪሐፍሩን እዮም፡ እወ፡ ንተጻረርትኻስ ሓዊ ኺውሕጦም እዩ።
12 ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዂሉ ተግባርና ንስኻ ኢኻ እትፍጽመልና እሞ፡ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ።
13 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ብጀካኻ ኻልኦት ጐይቶት መሊኾምና ኣለው፡ ግናኸ ብኣኻ ጥራይ ንስምካ ንዝክሮ።
14 ምውታትሲ ህያዋን ኣይኰኑን፡ ጽላሎት ኣይትንስኡን፡ ስለዚ ቐጻዕካዮምን ኣጽነትካዮምን፡ ንመዘከርታኦም ዘበለውን ኣጥፋእካዮ።
15 ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ከበርካ፡ ንወሰን እቲ ሃገር ኲሉ ድማ ኣርሐብካዮ።
16 ዎ እግዚኣብሄር፡ ብጸበባ ደለዩኻ፡ ቅጽዓትካ ምስ ረኸቦም፡ ሰላሕ ኢሎም ጸሎት ኣፍሰሱ።
17 ከም ጥንስቲ ሰበይቲ፡ ክትወልድ ምስ ቀረበት፡ ቅልውላው ተታሒዛ እትጭርሕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዀንና።
18 ጠነስና፡ ጻዕሪ ሕርሲ ሐዘና፡ ንፋስ ከም ዝወለደት ኰንና፡ ምድሓን ንምድሪ ኣየምጻእናላን፡ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ኸኣ ኣይውለዱን።
19 ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ፡ ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪውን ንምውታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።
20-21 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ።

 

1 በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመን፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ዚለዋወ ተመን፡ ኪቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ።
2 በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተፈትወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ፡
3 ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፡ ኲሉ ጊዜ ኤስትዮ፡ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፡ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣሎኹ።
4 ኲራ የብለይን፡ ተዀርባን እሾዂን ኪዋግኡኒ እንተ ዚትንስኡ፡ ተንሲኤ ብሓደ መንደድክዎም።
5 እንተ ዘይኰነስ ምሳይ ይተዐረቕ፡ ንሓይለይ ይሐዝ፡ ምሳይ ይተዐረቕ።
6 በቲ ዚመጽእ ዘመን፡ ያእቆብ ሱር ኪሰድድ፡ እስራኤል ከኣ ኪልምዕን ኪዕምብብን እዩ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብፍረ ኺመልእዎ እዩም።
7 ከምቲ ነቶም ወቓዕቲ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ? ወይስ ከምቲ ንቕቱላቱ ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ?
8 ኣርሒቕካ ብምስጓጒ ብልክዕ ቀጻዕካዮ፡ ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ ብብርቱዕ ህቦብላኡ ደፍኦ።
9 ኣዕኑድ ኣስታርተን ሓወልቲ ጸሓይን ድሕሪ ደጊም ከይትንስኡ፡ ንዂሉ ኣእማን መሰውኢ ኸም ዚሰባበር እምኒ ኖራ ገይሩ ምስ ኣፍረሶ፡ ስለዚ እቲ ኣበሳ ያእቆብ በዚ ተሰርየ፡ እዚ እዩ ምሉእ ፍረ ምርሓቕ ሓጢኣት።
10 እታ ጽንዕቲ ኸተማ ትጽሙ፡ ከም በረኻ፡ ሰብ ዜብሉ እተሐድገ ስፍራ ትኸውን ኣላ፡ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፡ ኣብኣውን ይውዕልን ጨናፍራ ይበልዕን ኣሎ።
11 ጨንገፋ ምስ ነቐጸ፡ ይስበር፡ ኣንስቲውን መጺኤን የንድዳኦ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን፡ እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን።
12 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ካብታ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ናይ ግብጺ ወሓዚ፡ እግዚኣብሄር ፍረ ኼእቱ እዩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።
13 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ እሞ፡ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ጠፊኦም፡ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺውን ተሰጒጎም ዝነበሩ ኺመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቅዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም።

 

1 ነታ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬምን ነታ ናይ ክቡር ስልማቱ ዝጸምለወት ዕምባባ፡ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ናይቶም ብወይኒ ሰንከልከል ዚብሉ ዘላን ወይለኤን።
2 እንሆ፡ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር ይመጽእ ኣሎ፡ ንሱ ኸም ሃጽፊ በረድን ከም ዜጥፍእ ህቦብላን ከም ሃጽፊ ብርቱዕ ደምሳሲ ማይን ኰይኑ፡ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ጻሕ የብሎ።
3 እቲ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬም ብእግሪ ኺርገጽ እዩ።
4 እቲ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ዘሎ ናይቲ ኽቡር ስልማቱ ዝጸምለወ ዕምባባ ከምቲ ቕድሚ ቐውዒ ቀዲሙ ዝበሰለ በለስ ኪኸውን እዩ፡ ምስ ረኣዮ፡ ገና ኣብ ኢዱ ኸሎ፡ ቀልጢፉ ይውሕጦ።
5 በታ መዓልቲ እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተረፍ ህዝቢ ኣኽሊል ክብርን ዘውዲ ስልማትን ኪዀኖም እዩ።
6 ነቲ ኺፈርድ ዚቕመጥ ከኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዚመልሱ ድማ ሓይሊ ኪዀኖም እዩ።
7 ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ኸኣ ይሳናኸሉ። ካህንን ነብይን ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብወይኒ ይውሐጡ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ኣብ ራእይ ይጋገዩ፡ ኣብ ፍርዲ ይዕንቀፉ ኣለው።
8 ኲሉ መኣድታት ዜፈንፍን ትፋእ ምሉእ እዩ፡ ካን ጽጹይ ስፍራ ይልቦን።
9 ንመን ደኣ ፍልጠት ኪምህር እዩ? ንመንከ እዩ ነታ መልእኽቲ ኸም ዜስተውዕላ ዚገብሮ? ነቶም ጸባ ኣዲኦም ዝሐደጉ፡ ካብ ጡብ እተፈልዩ ድዩ?
10 ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ እዩ።
11 እምበኣርሲ ብወታእ ከናፍርን ብልሳን ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኽዛረቦ እዩ።
12 ንሱውን፡ ዕረፍቲ እዚኣ እያ፡ ነቲ ድኹም ኣዕርፍዎ፡ እታ መቕሰኒት እዚኣ እያ፡ ኢልዎም ነይሩ፡ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።
13 ስለዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ንኣታቶም፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ ኪዀኖም እዩ። ኪኸዱ ኸለው ኸኣ፡ ጥንቅሊዒት ወዲቖም፡ ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪትሐዙን እዮም።
14 ስለዚ ኣቱም መላገጽቲ፡ ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትመልኩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
15 ንስኻትኩም ከኣ፡ ምስ ሞትሲ ኺዳን ተኣታቲና፡ ምስ ሲኦል ድማ ተዋዓዒልና፡ ንሓሶት ጸግዕና ንጥልመትውን ከውልና ጌርና ኢና እሞ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ኣባናስ ኣይኪበጽሕን እዩ፡ ትብሉ ኣሎኹም እሞ፡
16 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዂርናዕ ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪሀድምን እዩ።
17 ፍርዲ ንመዓቀኒ፡ ጽድቂ ኸኣ ንመለክዒ ኽገብሮ እየ፡ በረድ ንጸግዒ ሓሶት ኬፍርሶ፡ ማያትውን ነቲ ኸውሊ ኺድምስሶ እዩ።
18 እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንሲ ከንቱ ኪኸውን፡ እቲ ምስ ሲኦል እተዋዓዐልኩምዎ ውዕል ከኣ ኣይኪጸንዕን እዩ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ንስኻትኩም ብእኡ ኽትርገጹ ኢኹም።
19 ንግሆ ንግሆ፡ ለይትን መዓልትን ኪሐልፍ እዩ እሞ፡ እናሐለፈ ኺሕዘኩም እዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምስትውዓልሲ መሰክሒ ጥራይ ኪኸውን እዩ።
20 ዓራት ከየሳፍሑሉ፡ ሓጺር እዩ፡ መደረብታ ኸኣ፡ ብእኡ ኸይጒልበቡ፡ ጸቢብ እዩ።
21 እግዚኣብሄር ንዕዮኡ፡ ነቲ መስትንክር ዕዮኡ ምእንቲ ኺገብር፡ ንተግባሩ፡ ነቲ ዜደንቕ ተግባሩ ምእንቲ ኺፍጽምሲ፡ ከም ኣብ ከረን ጴራጺም ኪትንስእ፡ ከም ኣብ ለሰ ጊብዖን ኪዂሪ እዩ እሞ፡
22 ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ሰሚዔ ኣሎኹ እሞ፡ ማእሰርትኹም ከይጸንዕ ደጊምሲ ኣይተላግጹ።
23 ጽን በሉ፡ ድምጻይ ስምዑ፡ ኣስተብህሉ፡ ዘረባይ ድማ ስምዑ።
24 ሓረስታይ ኪዘርእ ኢሉ ዂሉ መዓልቲዶ ይሐርስ፡ ንግራቱስ ይባርዎን ይጒልጒሎን ድዩ?
25 ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ ሰሰግዶ ኣይንስንስን? ካሙንከ ኣይብትንን ድዩ? ስርናይ ከኣ ኣብቲ ትልምታት፡ ስገም ድማ ኣብ ወገኑ፡ ንሂጒውን ኣብ ወሰነ ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ?
26 ኣምላኽውን ነቲ ቕኑዕ ኣገባቡ ኣፍሊጥዎን ምሂርዎን እዩ።
27 ሰሰግ ብመኼዲ ኣይክየድን፡ መንኰርኰር ሰረገላ ኸኣ ኣብ ካሙን ኣየዙሩን፡ ንሰሰግሲ ብጨንገፍ፡ ንካሙን ድማ ብሸቦጥ እዮም ዚዘብጥዎ።
28 እኽሊ ይጥሐን እምበር፡ ንሓዋሩስ ኣይክየድን እዩ፡ መንኰረዂር ሰረገላኡን ኣፍራሱን እኳ እንተ ኣኼድሉ፡ ኣይጥሐንን እዩ።
29 እዚውን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝወጸ። ንሱ ብምኽሩ ዜገርም፡ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።

 

1 ኣቲ ኣሪኤል፡ ኣሪኤል፡ ዳዊት መሳፍሮ ዝገበረኪ ኸተማ፡ ወይለኺ። ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፡ በዓላትውን ምዝዋሩ ይፈጽም።
2 ንኣሪኤል ድማ ከጨንቐላ እየ፡ ዋይዋይን ቊዝማን ኪኸውን እዩ፡ ንሳውን ከም ኣሪኤል ክትኰነኒ እያ።
3 ኣብ ከባቢኻ ኽሰፍር እየ፡ ብሰራዊት ክኸበኪ፡ ኣብ ልዕሌኺውን ዕርዲ ከቕውም እየ።
4 ተዋሪድኪ፡ ካብ ምድሪ ኽትዛረቢ ኢኺ፡ ቃልኪ ብሰላሕላሕ ካብ ሓመስ ኪወጽእ፡ ድምጽኺ ከም ድምጺ ሰራዪ ኻብ ምድሪ ኺስማዕ፡ ቃልኪውን ካብ ሓመድ ሕሽዂሽዂ ኪብል እዩ።
5 ብዝሒ ጻላእትኺ ግና ከም ድኹም ተጐጓ፡ ብዝሒ እቶም መጨነቕቲ ኸኣ ከምቲ ዚሐልፍ ብቚብቚ ኪኸውን እዩ፡ እዚውን ብቕጽበት ብድንገት ኪኸውን እዩ።
6 መዓት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብነጒድን ምንድቕዳቕ ምድርን ብብርቱዕ ህማምን ህቦብላን ሃጽፍን ብዚባላዕ ሃልሃልታ ሓውን ኪመጸኪ እዩ።
7 ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሪኤል ዚትንስኡ ዂሎም ኣህዛብ፡ ብዝሒ እቶም ንእኣን ንዕርዳን ዚወግኡን ዜጽብቡን ኲሎም ከም ሕልምን ራእይ ለይትን ኪኸውን እዩ።
8 ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዚበልዕ፡ ምስ ነቕሔ ግና ነፍሱ ጥራያ እያ፡ ከምቲ ጽሙእ ድማ ብሕልሙ ዚሰቲ፡ ግናኸ ምስ ነቕሔ፡ እንሆ፡ ይሕለል ነፍሱውን ትጸምእ፡ እቶም ብዙሓት ንኸረን ጽዮን ዚወግእዋ ዂሎም ኣህዛብ ድማ ከምኡ ኪዀኑ እዮም።
9 ተድነቑን ተገረሙን ተዐመቱን ዑሩን። ስኹራት እዮም፡ ግናኸ ኣይብወይንን፡ ሰንከልከል ይብሉ፡ ግናኸ ብብርቱዕ መስተ ኣይኰኑን።
10 እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ከቢድ ምትኻስ ኲዕዩልኩም ኣሎ እሞ፡ ነዒንትኹም ደፊንወን፡ ንነብያትን ንሓለቓታትኩምን ንሰብ ራእይን ኣጐልቢብዎም ኣሎ።
11 ኲሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ። ንሓደ ንባብ ዚፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሕቱም እዩ እሞ፡ ኣይዀነለይን፡ ኢሉ ይመልስ።
12 ወይስ ንሓደ ንባባ ዘይፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱው፡ ንባብ ኣይፈልጥን እየ፡ ኢሉ ይመልስ።
13 እግዚኣብሄር ከኣ በለ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ኻብ ዚቐርበኒ፡ ብኸናፍሩውን ካብ ዜኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ካብ ዚርሕቕ፡ እቲ ንኣይ ምፍራሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን፡
14 ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ ተግባር፡ እወ፡ ዜደንቕ ተግባርን ተኣምራትን ወሲኸ ኽገብር እየ፡ ጥበብ፡ እቶም ጥበበኛታቱ ኺጠፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቱ ኺድፈን እዩ፡ በለ።
15 ነቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዚሐብኡ፡ ተግባሮም ከኣ ብጸልማት ዚገብሩ እሞ፡ መን ይርእየና? መንከ ይፈልጠና፡ ዚብሉስ ወይለኦም።
16 ኣየ ኣቱም ቄናናት፡ ስሩሕ ንስራሒኡ፡ ንስኻ ኣይሰራሕካንን፡ ድኩን ከኣ ንደኳኒኡ፡ ንስኻ ኣይተስተውዕልን ኢኻ፡ ኢሉስ መሬትዶ ምስ ሰራሒኡ ይመዓራረ እዩ?
17 ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ኪልወጥ፡ እቲ ፍርያም ግራት ከኣ ከም ዱር ኪቚጸር፡ ቅሩብ ጊዜዶ ኣይኰነን ተሪፉ ዘሎ?
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ጸማማት ንቓል እቲ ጽሑፍ ኪሰምዑ፡ ኣዒንቲ ዕውራት ድማ ካብ ጽልግልግታን ጸልማትን ወጺኤን ኪርእያ እየን።
19 እቶም ዓቃላት ንሓጐሶም ኣብ እግዚኣብሄር ኬዕዝዝዎ፡ እቶም ኣብ ማእከል ሰብ ዘለው ድኻታት ከኣ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪሕጐሱ እዮም።
20 ስለዚ እቲ ጨካን ደጊም ኣይኪህሉን፡ እቲ መላገጺ ኸኣ ጠፊኡ እዩ፡ እቶም እከይ ኪገብሩ ትልጭ ዚብሉ ዂላቶም፡
21 እቶም ንሰብ ብሰሪ ሓንቲ ቓል ከም በዳሊ ዚፈርድዎ፡ ነቲ ኣብ ደገ ዚግስጽ ከኣ መፈንጠራ ዚግትሩሉ፡ ነቲ ጻድቕ ድማ ብኸንቱ ዜርሕቕዎ ኺጸንቱ እዮም።
22 ስለዚ እቲ ንኣብርሃም እተበጀዎ እግዚኣብሄር ንቤት ያእቆብ ከምዚ ይብላ ኣሎ። ደጊምሲ ያእቆብ ኣይኪሐፍርን ገጹውን ኣይኪጽምሉን እዩ።
23 ንደቁ፡ እቶም ግብሪ ኣእዳወይ፡ ኣብ ማእከሉ ምስ ረኣየ ግና፡ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ኪቕድሱ፡ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኪቕድሱ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኪፈርሁ እዮም።
24 እቶም ብመንፈስ እተጋገዩ ድማ ኣእምሮ ኺረኽብ፡ እቶም መጒረምረምቲውን ትምህርቲ ኺምሀሩ እዮም።

 

1 ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው ኣሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን።
2 ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣሎኹም፡ ግናኸ ንኣፈይ ኣይሐተትኩምን።
3 ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ኪኸውን እዩ።
4 መሳፍንቱ ኣብ ጾኣን ኣለው፡ ልኡኻቱውን ናብ ሃኔስ በጽሑ እሞ፡
5 በቲ ነውርን ሕፍረትን እምበር፡ ገለ እኳ ዘይጠቕሞም፡ ረዲኤትን ጥቕምን ከኣ ዜብሉ ህዝቢ ኲላቶም ኪሐፍሩ እዮም።
6 ጾር ብዛዕባ ኣራዊት ደቡብ። በታ ዋዕሮን ሓየትን መንደልቶን ዚነፍር ገበልን ብምድሪ ጸበባን ምዕሉባጥን ኣቢሎም፡ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ጸዕብ፡ ንዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጒዳ ኣግማል ጽዒኖም፡ ንገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ የምጽኡሉ።
7 ግብጺ ብኸንቱ ብብላሽ እያ እትረድእ እሞ፡ ስለዚ ንእኣ፡ ረሃብ ስቕ ኢላ እትቕመጥ፡ ኢለ ሰሜኽዋ።
8 እምበኣርሲ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ሐንጽጾ፡ ንዚመጽእ ጊዜን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ኪነብርሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ።
9 ዓለወኛ ህዝቢ፡ ሓሰውቲ ውሉድ፡ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዚኣብዩ ውሉድ እዮም እሞ፡
10 ነቶም ረኣይቲ፡ ኣይትርኣዩ፡ ንነብያት ከኣ፡ ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዪልና፡ ዜሐጒስ ደኣ ንገሩና፡ ጥበራውን ተነበዪልና፡
11 ካብ ጐደና ኣግልሱ፡ ካብ መገዲ ዝበሉ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ፡ ይብሉ።
12 ስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወኪልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡
13 ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኺወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዚፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ኪዀነኩም እዩ፡
14 ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዚሰባበር፡ ኪሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዚጽሐሮ፡ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዚቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ኪሰባበር እዩ።
15 እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም።
16 ንስኻትኩምውን፡ ኣይፋልናን፡ በፍራስ ደኣ ንሀድም፡ – ስለዚ ኽትሀድሙ ኢኹም፡ – ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ከኣ ክንቅመጥ ኢና፡ በልኩም። ስለዚ እቶም ዚሰጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም።
17 ብምፍርራህ ሓደ ሰብኣይ ካባኻትኩም ሽሕ ኪሀድሙ እዮም፡ ከም ጒንዲ ኣብ ርእሲ ኸረን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማውን ኣብ ኲርባ ኽሳዕ እትተርፉ፡ ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሀድሙ ኢኹም።
18 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።
19 እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን ኣብ የሩሳሌም ኪነብር እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ኣይክትበክን ኢኻ፡ ምስ እተእዊ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካ እዩ፡ ኪሰምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካ እዩ።
20 እግዚኣብሄርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ኪህበኩም እዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ እየን እምበር፡ ደጊምሲ መምህራንካ ኣይኪስወሩን እዮም።
21 ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱ፡ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።
22 ነቲ ናይ ቅርጺ ምስልታትካ ተለቢጥዎ ዘሎ ብሩርን፡ ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትካ ተጠሊቕዎ ዘሎ ወርቅን ከተርክሶን ከም ርኹስ ነገር ክትጒሕፎን፡ ወጊድ ካብዚ ውጻእ፡ ክትብሎን ኢኻ።
23 ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህብ፡ ካብቲ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ጥዑምን ኣኽልታርፍን ኪኸውን እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ማልካ ኣብ ርሒብ ሸኻታት ኪጓሰያ እየን።
24 እቶም ንምድሪ ዚሐርሱ ኣብዑርን ጻዕባትን ከኣ ብመስኤን ብሰፍእን ዝጸረየ ጨው ዝጥዕም ድርቋ ኺበልዑ እዮም።
25 በታ ግምብታት ዚወድቁላ ዓባይ መዓልቲ ቕትለት ከኣ ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ በረኽቲ ዂድዂዶታትን ርባታትን ወሓይዝትን ኪኸውን እዩ።
26 በታ እግዚኣብሄር ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዘንላ፡ ንቚስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላ መዓልቲ ኸኣ እቲ ብርሃን ወርሒ ኸም ብርሃን ጻሓይ ኪኸውን፡ ብርሃን ጸሓይ ድማ ሾብዓተ ዕጽፊ ኸም ብርሃን ሾብዓተ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።
27 እንሆ፡ ስም እግዚኣብሄር ብርሱን ቊጥዓኡን ብዚዕልስ ትክን ካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ፡ ከናፍሩ ብዂራ ምሉእ፡ ልሳኑውን ከም ዚባላዕ ሓዊ እዩ።
28 ነህዛብ ብምሔ ኸንቱነት ኪሔሕዮም፡ ንምንጋጋ ህዝብታት ከኣ ብዜጋጊ ልጓም ምእንቲ ኺለጒምሲ፡ ትንፋሱ ኸምቲ ኽሳዕ ክሳድ ዚበጽሕ ደምሳሲ ውሒዝ እዩ።
29 ከምታ ቅዱስ በዓል ዚበዐለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም፡ ከምቲ ናይ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኸውሒ እስራኤል፡ ብቓና እምብልታ ኺድይቡ ኸለው፡ ከምኡውን ልብኹም ኪሕጐስ እዩ።
30 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምጹ ኼስምዕ እዩ፡ ንቕልጽሙ ኸኣ ብዂራ ቚጥዓን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ብሽሾን ሃጽፍን በእማን በረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ።
31 ኣሶር ብሸቦጥ ምስ ወቕዔ፡ ብድምጺ እግዚኣብሄር ኪሰባበር እዩ እሞ፡
32 ኲሉ መውቃዕቲ እታ እግዚኣብሄር ዜውርደሉ ምድብቲ ስላዕ ከኣ ብኸበሮን መሰንቆን ኪኸውን እዩ፡ ንሱ ኸኣ መመሊሱ ኢዱ እናልዐለ ኺዋግኦም እዩ።
33 ቶፌት ካብ ቀደም ተዳልያ ኣላ፡ እወ፡ ንንጉስ እኳ ደኣ እያ እተዳለወት፡ ኣዕመቛን ኣርሐባን፡ ኣብኣ ኸኣ ሓውን ብዙሕ ዕጨይትን ተዀሚሩ ኣሎ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ከም ውሒዝ ዲን በግ የብላ ኣሎ።

 

1 እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡ እምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታት፡ ብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን።
2 ግናኸ ንሱ ድማ ጠቢብ እዩ፡ ንእከይ የምጽኦ፡ ንቓሉ ኸኣ ኣይልውጦን፡ ንምጽራር ቤት እቶም ገበርቲ እከይን፡ ንምጽራር ረዲኤት ዓመጸኛታትን ድማ ይትንስእ።
3 እምበኣርከ ግብጻውያንሲ ሰብ እዮም፡ ኣምላኽ ኣይኰኑን፡ ኣፍራሶም ከኣ ስጋ እዮም፡ መንፈስ ኣይኰኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ ምስ ዚዝርግሕ ከኣ፡ እቲ ረዳኢ ይዕንቀፍ፡ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ እሞ ኲላቶም ሐቢሮም ይጠፍኡ።
4 እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ከምቲ ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን ብዙሓት ጓሶት እኳ ተጸዋዊዖም እንተ መጽዎ ብግዳዩ ዚጓዝም፡ ብድምጾም ዘይስምብድን ብጭራሕምራሖም ዘይፈርህን፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ኲድዂዶኣን ምእንቲ ኺዋጋእ ኪወርድ እዩ።
5 ከምተን ዚነፍራ ኣዕዋፍ ገይሩ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንየሩሳሌም ኬዕቊባ እዩ፡ ኬዕቊባን ኬናግፋን ኪንሕፋን ኬድሕናን እዩ።
6 ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ናብቲ ኻብኡ ኣዚኹም ዝረሐቕኩም ተመለሱ።
7 በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝገበራኦም ጣኦታት ብሩርን ጣኦታት ወርቅን ነፍሲ ወከፎም ኪድርብይዎም እዮም እሞ፡
8 ሽዑ ኣሶር ብሰይፊ ኺወድቕ፡ ብናይ ሰብ ኣይኰነን፡ እቲ ናይ ሰብ ዘይኰነ ሰይፊ ኸኣ ኪውሕጦ እዩ። ካብ ሰይፊ ድማ ኪሀድም እዩ፡ ኣጒባዙውን ገባር ኪዀኑ እዮም።
9 ካብ ፍርሃት እተላዕለ እምባኡ ኺሐልፍ፡ መሳፍንቱውን ብሰንደቕ ዕላማ ኺፈርሁ እዮም፡ ይብል እቲ ሓው ኣብ ጽዮን፡ እቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዘለዎ እግዚኣብሄር።

 

1 እንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም።
2 ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጻግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።
3 ኣዒንቲ እቶም ረኣይቲ ኣይኪዖራን፡ ኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ኸኣ ጽን ኪብላ እየን።
4 ልቢ እቶም ዝንጉዓት ፍልጠት ኬስተውዕል፡ ልሳን ወትኣት ከኣ ትኽ ኣቢሉ ኣጽርዩ ኺዛረብ እዩ።
5 ሕሱምሲ ድሕሪ ደጊም ክቡር ተብሂሉ ኣይኪስመን፡ መጣፍኢ ኸኣ ጐይታ ኣይኪብሀልን እዩ።
6 ሕሱም ሰብሲ ረሲእነት ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ኪዛረብ፡ ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሐድጋ ንጽሙእ ድማ መስተ ምእንቲ ኪኸልኦስ፡ ሕሰም ይዛረብ፡ ልቡ ኸኣ እከይ ይሰርሕ።
7 መሳርያ መጣፍኢ ተካል እዩ፡ ንሽጉራትን ነቲ ቕንዕና ዚዛረብ ድኻን ብቓል ሓሶት ምእንቲ ኼጥፍኦምሲ፡ እኩይ ሓሳብ ይጠላልፍ።
8 ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሐስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ።
9 ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድ፡ ናብ ዘረባይ ኣድህባ።
10 ምጒናእ ዘቢብ ጠፊኡ፡ ምእራይ ፍሬታት ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣንስቲ፡ ድሕሪ ዓመትን ቅሩብ መዓልታትን ክትስምብዳ ኢኽን።
11 ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተሸበራ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን፡ ራዕራዕ በላ፡ ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፡ ሓቛቚኽን ድማ ተዐጠቓ።
12 ስለዚ ጽቡቕ ሸዓብትን ስለቲ ፈረዪ ኣታኽልቲ ወይንን ኣፍ ልበን ኪወቕዓ እየን።
13 ኣብ ምድሪ ህዝበይ፡ እወ፡ ኣብታ ሕጒስቲ ኸተማ ዘሎ ዂሉ ኣባይቲ ደስታ፡ እሾዂን ተዀርባን ኪበቊል እዩ።
14 ኣዳራሽ ኪሕደግ እዩ፡ እታ ሰባታእላው ዜብሉ ኸተማ ኽትጽሙ እያ፡ ዕርድን ግምብን ከኣ ንሓዋሩ በዓትታታን ሓጐስ ኣእዱግ ከደንን መጓስዪ መጋርያታትን ኪኸውን እዩ እሞ፡
15 መንፈስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ዚከዐወና ከምዚ ኪኸኣን እዩ። ሽዑ ነቲ ምድሪ በዳ ኸም ፈራዪ ሽዕበት ኪኸውን፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ከም ዱር ኺሰፍር፡ ጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ።
16 ሽዑ ቕንዕና ኣብ ምድሪ በዳ ኺሰፍር፡ ጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ።
17 ግብሪ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ።
18 ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።
19 ግናኸ ዱር ብበረድ ኪወድቕ፡ እታ ኸተማውን ኣዝያ ኽትዋረድ እያ።
20 ኣቱም ኣብ ጥቓ ዂሉ ማያት እትዘርኡን ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እትፍንውን፡ ብጹኣን ኢኹም።

 

1 ኣታ እትዘምት እሞ ዘይተዘመትካ፡ ወይለኻ፡ ኣታ እትጠልም እሞ ዘይተጠለምካ፡ ወይለኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ፡ ክትዝመት ኢኻ። ምጥላም ምስ ወዳእካ፡ ኪጠልሙኻ እዮም።
2 ዎ እግዚኣብሄር ምሐረና፡ ንኣኻ ንጽበ ኣሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብጊዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን።
3 እቶም ህዝብታት በቲ ህማም ታዕታዕ ይሀድሙ፡ ብምትንሳእካ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።
4 ኲብኲብታ ኸም ዚእከብ፡ ዘመቴኹም ይእከብ፡ ኣንበጣ ኸም ዚጐዪ ይጐይዎ ኣለው።
5 እግዚኣብሄር ልዑል እዩ፡ ኣብ ላዕሊ ይነብር እዩ እሞ፡ ንጽዮን ብፍርድን ጽድቅን መሊእዋ ኣሎ።
6 ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ጥበብን ፍልጠትን ኪኸውን እዩ፡ ምፍራህ እግዚኣብሄር ከኣ መዝገቡ እዩ።
7 እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ወጻኢ ይጭድሩ፡ ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለው።
8 መገድታት ባደመ፡ ሓላፍ መገዲ ተሳእነ። ኪዳን ጠለመ፡ ከተማታት ነዐቐ፡ ንሰብ ገለ እኳ ኣየቋጽሮን።
9 እታ ሃገር ሐዘነትን ሐስኤትን፡ ሊባኖስ ሐፈረትን ነቐጸትን፡ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀነት፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቈጽሉ ረገፈ።
10 እግዚኣብሄር ግና፡ ሕጂ ኽትንስእ፡ ሕጂ ኽለዐል፡ ሕጂ ልዕል ክብል እየ፡ ይብል ኣሎ።
11 ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ከኣ ክትወልዱ ኢኹም፡ ትንፋስኩም፡ ዚበልዓኩም ሓዊ እዩ።
12 ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ይነዱ፡ ከምቲ ኣብ ሓዊ ሞዂ ዚብል ቈጥቋጥ እሾዂ ይዀኑ።
13 ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም፡ ዝገበርክዎ ስምዑ፡ ኣቱም ቀረባ ዘሎኹም ከኣ፡ ስልጣነይ ፍለጡ።
14 ኣብ ጽዮን ዘለው ሓጢኣተኛታት ይስምብዱ ኣለው፡ ንረሲኣን ድማ ራዕዲ ይሕዞም ኣሎ፡ ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ? ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ?
15 እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ፡
16 ንሱ ኣብ በረኻ ኪነብር፡ ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውን፡ እንጌራኡ ኺረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ።
17 ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቔኡ ኺርእያኦ፡ ርሑቕ ሰፊሕ ሃገር ከኣ ኪምልከታ እየን።
18 ልብኻ፡ ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ? መዛኒ ኣበይ ኣሎ? ግምብታት ዝቘጸረስ ኣበይ ኣሎ? እናበለ ናብቲ ፍርሂ ኺሐስብ እዩ።
19 ነቲ ጨካን ህዝቢ፡ ነቲ ዘይስትውዓል ጭንቂ ዝቛንቋኡ፡ ነቲ ዘይስማዕ ወታእ ዝመልሓሱ ህዝቢ ኣይክትርእዮን ኢኻ።
20 ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ፡ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ነታ ህድእቲ ማሕደር፡ ዘይትዛናበል ድንኳን፡ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይምንቈስ፡ ኣግማዳ ኸኣ ከቶ ዘይብተኽ፡ ኪርእያ እየን።
21 ኣብኣውን እግዚኣብሄር፡ በታ ርሒብ ርባታትን ወሓይዝን ኰይኑ፡ ብግርማኡ ምሳና ኪኸውን እዩ፡ ብመቕዘፍ እትምራሕ መርከብ ኣይትኣትዋን፡ ዓባይ መርከብ ከኣ ኣይትሐልፋን።
22 እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነና እዩ።
23 ኣግማድካ ዘሊቑ፡ ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ኣየትርሮን፡ ነቲ ጋንጽላ ኣይግትሮን። ሽዑ እቲ ዘመተ ናይ ብርቱዕ ምርኮ ይምቀል፡ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ይማርኹ።
24 ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ እየ፡ ኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐዲጉሉ እዩ።

 

1-2 እግዚኣብሄር ኣብ ኲላቶም ኣህዛብ ኰርዩ፡ ኣብ ኲሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ክትሰምዑ ቕረቡ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ጽን በሉ፡ ምድርን መሊእዋ ዘሎን፡ ዓለምን ካብኣ ዚወጽእ ዘበለ ዂሉን ይስማዕ፡ ንጥፍኣት መጥይዎም ንማሕርዲ ኸኣ ወፍይዎም እዩ።
3 ቅቱላቶም ይድርበዩ፡ ሬሳታቶም ጺእ ይጨኑ፡ ኣኽራን ድማ ብደሞም ይመክኽ።
4 ኲሉ ሰራዊት ሰማይ ይጠፍእ፡ ሰማያት ከኣ ከም ብራና ይጥቕለል፡ ኲሉ ሰራዊቱውን ከምቲ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡ ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ፡ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡ ኪረግፍ እዩ።
5 ሴፈይ ኣብ ሰማይ ሰኺሩ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ኤዶም፡ ኣብቲ ህዝቢ መርገመይ፡ ንፍርዲ ኺወርድ እዩ።
6 እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ቦጽራ፡ ኣብ ሃገር ኤዶም ድማ ብዙሕ ሕሩድ ኪገብር እዩ እሞ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተዐሊሱ፡ ብስብሕን ብደም ገናሽልን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ከኣ ተሰቢሑ ኣሎ።
7-8 መዓልቲ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ዓመት ምፍዳይ ኢድ ብናይ ነገር ጽዮን እዩ እሞ፡ ምሳታቶም ድማ ጎባያትን ኣረውሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፡ ሃገሮም ብደም ይሰክር፡ ሓመዶም ብስብሒ ይስባሕ ኣሎ።
9 ወሓይዝ ናብ ቅጥራን፡ ሓመድ ኸኣ ናብ ዲን ኪልወጥ፡ ሃገራውን ነዳዲ ቕጥራን ኪኸውን እዩ።
10 ምንዳዳ ለይትን መዓልትን ኣይጠፍእን፡ ትካ ንዘለኣለም ይተክኽ፡ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ትባድም፡ ንዘለኣለም ሓድ እኳ ኣይሐልፋን።
11 ኣባጉምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ይገብርዋ፡ ጒንጓን ኳዂን ይነብርዋ፡ ናይ ምብራስ ገመድ መስፈርን ናይ ምብዳም ሚዛን መለክዕን ይዝርግሓላ።
12 ካብቶም ንምንጋስ ዚበቕዑ ጭዋታታ ሓደ እኳ የልቦን፡ ኲላቶም መሳፍንታ ኸኣ ምናምን ይዀኑ።
13 እሾዂ ኣብ ኣደራወታ፡ ኣምዔን ተዀርባን ከኣ ኣብ ዕርድታታ ይበቊል፡ መሳፍሮ ወኻሩን መውዓል ሰገንን ትኸውን።
14 ኣራዊት በረኻን ኣኽላባት መሮርን ኣብኣ ይራኸቡ፡ ኣጋንንቲ ኸኣ ይጻዋውዑ፡ ዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፡ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ።
15 ተመን ኣብኣ ቤቱ ይገብር፡ እንቋቚሖኡ ድማ የውድቕ፡ ኣንቊሑ ንወለልዱ ኣብ ጽላሉ ይእክቦም፡ ኣብኣውን ኣሞራታት ተኣኪቦም ንሓድሕዶም ይራኸቡ።
16-17 ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፡ ኣፈይ እዩ ዚእዝዝ፡ መንፈሱ እዩ ዚእክቦም ዘሎ፡ ንሱ እዩ ዕጭ ዜውድቐሎም፡ ኢዱ ኸኣ እያ ብገመድ መለክዒ ንእኣ ዝመቐለትሎም እሞ፡ ንዘለኣለም ኪሕዝዋ ንውሉድ ወለዶውን ኪነብርዋ እዮም፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪስኣንን እዩ፡ ንብጻዩ ዚስእን የልቦን።

 

1 በረኻን ምድረ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።
2 ኣጸቢቑ ኺዕምብብ፡ ብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል፡ ክብሪ ሊባኖስን ጌጽ ቀርሜሎስን ሳሮንን ኪወሀቦ እዩ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም።
3 ነተን ዝሰነፉ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ።
4 ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹም፡ ኣይትፍርሁ፡ እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ኪመጽእ፡ ባዕሉ ኼድሕነኩም ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።
5 ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።
6 ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ፡
7 ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ወኻሩ መሳፍሮ ዚገብራኦ ስፍራስ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ኪኸውን እዩ።
8 መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ፡ ቅድስቲ መገዲ ኽትበሀል እያ፡ ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ፡ ንኣታቶም ጥራይ እያ፡ እቲ ብእኣ ዚኸይድ፡ ዓሻ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይኪጋገን፡ እዩ።
9 ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን፡ ኣብኣውን ኣይኪርከብን እዩ፡ ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ።
10 እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኸልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።

1 ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ንንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዂላተን ደዪቡ ሐዘን።
2 ንጉስ ኣሶር ከኣ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ካብ ላኪሽ ናብ የሩሳሌም ንረብሳቁ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ ለኣኾ፡ ንሱውን ኣብ ጥቓ እቲ ላዕላይ ሓጽቢ መስኖ፡ ብመገዲ ግራት መስተይ ቀለም ደው በለ።
3 ሽዑ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ናብኡ ወጹ።
4 ረብሳቄ ኸኣ በሎም፡ ንህዝቅያስ በል፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ እትውከላ ዘሎኻ ትውክልቲ እንታይ እያ?
5 ንውግእስ ምኽርን ዓቕምን ኣሎኒ፡ ምባልካ ቓል ከናፍር ጥራይ እዩ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ ካባይ እትሽፍትሲ ኣብ መን ተወኪልካ ኢኻ?
6 እንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ሻምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል ኣሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፡ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዚውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።
7 ንሕናስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል፡ እንተ በልካኒ፡ ንሱዶ ኣይኰነን፡ ህዝቅያስ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ፡ እናበለ ንዀረቢቱን መሰውኢታቱን ዘፍረሰሉ?
8 እስከ እጂ ምስ ጐይታይ፡ ምስ ንጉስ ኣሶር፡ ተዋራረድ፡ ንስኻ ዚቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ፡ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።
9 ከመይ ጌርካኸ ንሓደ ፊተውራሪ ናይቶም ናእሽቱ ሓሸክር ጐይታይ፡ ገጽ ንድሕሪት ክትመልስ ትኽእል? ግናኸ ብናይ ግብጺ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተወኪልካ ኣሎኻ።
10 ሕጂኸ ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ድዩ ነዛ ሃገር ከጥፍኣ ዝደየብኩ? እግዚኣብሄር እዩ፡ ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ፡ ዝበለኒ።
11 ሽዑ ኤልያቂምን ሸብናን ዮኣህን ንረብሳቄ፡ ቋንቋ ሶርያ ንፈልጦ ኢና እሞ፡ ንባሮትካ ዀታ ብእኡ ተዛረበና፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቀጽሪ ዘለው ህዝቢ ብዘረባ ይሁዳ ኣይትዛረበና፡ በልዎ።
12 ረብሳቄ ግና፡ ጐይታይሲ እዘን ቃላት እዜኤን ክዛረብ ናብ ጐይታኻን ናባኻን ድዩ ዝለኣኸኒ? ናብቶም ውጽኣቶም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ምሳኻትኩም ኣብ ቀጽሪ ተቐሚጦም ዘለው ሰብኡትዶ ግዳ ኣይኰነን ዝለኣኸኒ? በለ።
13 ድሕርዚ ረብሳቄ ደው በለ እሞ ዓው ኢሉ ብዘረባ ይሁዳ ጨደረ በለውን፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ስምዑ፡
14 እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል፡ ህዝቅያስ ከናግፈኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ኣይጠብርኩም።
15 ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትወሀብን እያ፡ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣየወከልኩም።
16-17 ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዚመስል፡ ምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ንፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ።
18 ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬናግፈና እዩ፡ ኢሉ ኣይሕበልኩም። ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፋዶ ኣሎ?
19 ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው? ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለው? ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣናጊፎምዋ እዮም?
20 ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዚኤን ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ? እግዚኣብሄርከ ንየሩሳሌምዶ ኻብ ኢደይ መናገፋ?
21 ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ፡ እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
22 ድሕርዚ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ ኣተው፡ ቃላት ረብሳቄ ኸኣ ነገርዎ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
2 ንኤልያቂም፡ ነቲ ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ነቶም ሽማግሌታት ካህናትን፡ ከሊ ብኽዱናቶም፡ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ለኣኾም።
3 ንሳቶም ከኣ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፡ ውሉድ ኪውለዱ ቐሪቦም ኣለው፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ እዩ እሞ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ዘለፋን ጸርፍን እያ።
4 ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነተን ቃላት ናይቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ጐይታኡ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ዝለኣኾ ረብሳቄ ሰሚዑ ይህሉ፡ ስለ እዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዔን ቃላት ከኣ ኪቐጽዖ እዩ። ስለዚ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍሲ ጸሎት ኣዕርግ።
5 እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ።
6 ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ በተን ሓሽከር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝጸረፉለን ንስኻውን ዝሰማዕካየን ቃላት ኣይትፍራህ።
7 እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ኪሰደሉ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።
8 ሽዑ ረብሳቄ ተመልሰ፡ ንጉስ ኣሶር ካብላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ።
9 ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ዚብል ወረ ሰምዔ። እዚ ምስ ሰምዔ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብሉ ልኡኻት ናብ ህዝቅያስ ለኣኸ፡
10 ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ እቲ እትውከሎ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሀብን እያ ብምባሉ ኣየስሕትካ።
11 እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንብዘለዋ ኣጥፊኦምወን እዮም እሞ ንስኻ ዲኻ እትናገፍ?
12 ነቶማ ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ፡ እኒጎዛንን ሃራንን ሬጽፍን እቶም ኣብ ቴላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፡ ኣማልኽቶምንዶ ኣናጊፎምዎም እዮም?
13 ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋይምን ናይ ሃናእን ናይ ኢዋህን ኣበይ ኣለው?
14 ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፡ ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ።
15 ህዝቅያስ ከኣ ከምዚ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡
16 ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘሎኻ፡ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዝገበርካ።
17 ዎ እግዚኣብሄር፡ እዝንኻ ጽሎ እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርኤ፡ ነተን ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለኣኸን ኲለን ቃላት ሰናክሬብ ስማዕ።
18 ዎ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራትን ምድሮምን ከም ዘዕነውስ፡ ሓቂ እዩ።
19 ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርብይዎም፡ ስራሕ ኢድ ሰብ፡ ዕጭን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም።
20 ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጣ፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።
21 ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብናይ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡
22 እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዚብሎ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ትንዕቀካን ተላግጸልካን ኣላ፡ ጓል የሩሳሌም ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ።
23 ንመን ኣባጮኻን ጸረፍካን? ድምጽኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኣልዐልካ? በዒንትኻስ ንመን ኣፋጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።
24 ብሓሸክርካ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደይበ፡ ነቲ ጸጽቡቕ ኣጽሕዱን ነነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርጾ እየ፡ ናብቲ ላዕላይ ጫፍን ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበጽሕ እየ።
25 ኲዒተ ማይ ሰቴኹ፡ ብኸብዲ ኣእጋረይ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸንጽፎ እየ።
26 ነዚ ኻብ ቀደም ከም ዘዳሎኽዎ፡ ካብ ጥንቲ ኸኣ ከም ዝደኰንክዎ፡ ኣይሰማዕካን ዲኻ? ሕጂውን ክፍጽሞ እየ፡ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ ኲምራ ዖናታት ክትገብረን ኢኻ።
27 እቶም ኣብኤን ዚነብሩ ሰነፋን ሰምበዱን ሐፈሩን፡ ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልሙዕ ቈጽልን ከም ሳዕሪ ናሕስን ከምቲ ኸይበቘለ ዚሀጕጒ ዘርእን ኰነ።
28 ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ምንዳርካን እገልጥ ኣሎኹ።
29 ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነደርካ ድፍረትካውን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበጽሔ፡ ስለዚ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፡ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ክገብር እየ፡ በታ ዝመጻእካላ መገዲውን ክመልሰካ እየ።
30 እዚ ኸኣ ምልክት ይኹነልካ፡ ሎምዘመን ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፡ ንዓመታ ኸኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡን ክትዐጽዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።
31-32 ተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ኪወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሐነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ኪሰድድ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኺገብር እዩ።
33 ስለዚ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡ ፍላጻ ኸኣ ኣይኪውርውረላን፡ ብዋልታ መኪቱ ኣይኪቐርባን፡ ብቐጽሪውን ኣይኪኸባን እዩ።
34-35 ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸድሕናስ ክከላኸለላ እየ እሞ፡ በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኪኣቱን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
36 መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማይናይ ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኣይ ወቕዔ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ ሬሳታት ጸንሕዎም።
37 ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ድማ ነቒሉ ኸደ፡ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸኣ ተቐመጠ።
38 ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድረሜሌክን ሳሬጽን ብሰይፊ ቐተልዎ፡ ናብ ምድሪ ኣራራት ከኣ ሀደሙ፡ ኤሳር – ሃዶን ወዱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።

 

1 በቲ ዘመን እቲ ህዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዚዋላእ ሐመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ከኣ ናብኡ መጺኡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሐውን ኢኻ እሞ፡ ብናይ ሓዳርካ ተላቦ፡ በሎ።
2-3 ሽዑ ህዝቅያስ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዑቚባኻ፡ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ህዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።
4 ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መጸ፡
5 ኪድ እሞ ንህዝቅያስ ንገሮ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እንሆ፡ ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ።
6 ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፡ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፡ ይብል ኣሎ።
7 እግዚኣብሄር ነዚ ዝበሎ ቓል ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ምልክት ይዂንካ፡
8 እንሆ፡ ነቲ ብምኽንያት ጸሓይ ኣብታ ናይ ኣካዝ መድረኽ ዝወረደ ጽላሎት መድረኽሲ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢለ ኽመልሶ እየ። ጸሓይ ከኣ በቲ ዝወረደቶ መድረኽ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት።
9 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሐወየ፡ ዝጸሐፎ ጽሕፈት፡
10 ኣነስ፡ ኣብቲ ጣዕሚ ዕድመይ ከሎኹ፡ ናብ ደጌታት ሲኦል እኸይድ፡ ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ እስእነን ኣሎኹ፡ በልኩ።
11 ደጊም ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እየ፡ ምስቶም ኣብ ሲኦል ዘለው ሰብ ኰይነ፡ መሊሰ ሰብ ኣይክርእን እየ፡ በልኩ።
12 ማሕደረይ ፈረሰት፡ ከም ድንኳን ጓሳ ኸኣ ካባይ ጐዐዘት፡ ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣሎኹ፡ ንሱውን ካብ መዋጥር ኪቘርጸኒ እዩ፡ ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ።
13 ክሳዕ ዚወግሕ ሀዳእኩ፡ ንሱ ግና ከም ኣንበሳ ንዂሉ ዓጻጽምተይ ሰባበሮ። ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ።
14 ከም ለዃዂቶ፡ ከም ራዛ ጭቚጭቚ በልኩ፡ ከም ርግቢ ቘዘምኩ፡ ኣዒንተይ ላዕሊ ብምጥማት ተሐለላ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እጭነቕ ኣሎኹ፡ ዋሕሰይ ኩን።
15 እንታይ እሞ ኽብል? ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ገበሮ። ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዂለን ዓመታተይ ብህድኣት ክመላለስ እየ።
16 ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ በዚ ኸምዚ እዩ ብህይወት ዚነብር፡ ህይወት መንፈሰይ ከኣ በዚ ዂሉ እዩ። እምበኣርሲ ኣሕውየኒ ህይወትውን ምለሰለይ።
17 እንሆ፡ እዚ ዓብዪ ምረት ንሰላመይ ኰነ፡ ንስኻ ንዂሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ ኻብ ጒድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ።
18 ሲኦል ኣየመስግነካን፡ ሞት ኣይውድሰካን፡ እቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ብሓቅኻ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡
19 እቲ ህያው፡ እቲ ህያው፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎኹ፡ የመስግነካ፡ ኣቦ ንውሉዱ ሓቅኻ ኼፍልጦም እዩ።
20 እግዚኣብሄር እዩ ዘድሐነኒ፡ ስለዚ ብመዓልትታት ህይወትና ዂሉ ኣብ ቤት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዛሙረይ ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና።
21 ኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሐበጠ ይለብጥዎ እሞ ኪሐዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ።
22 ህዝቅያስ ድማ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክድይብሲ ምልክቱ እንታይ እዩ? በለ።

 

1 በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ – በላዳን፡ ወዲ በላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሐሚሙ ኸም ዝሐወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ።
2 ህዝቅያስ ድማ ብኣታቶም ተሐጐሰ እሞ ነቲ ቤት መዝገቡ፡ ንብሩርን ወርቅን ቅዲትን ነቲ ኽቡር ዘይትታትን ንዂሉ ቤት መሳርያኡን ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝጸንሔ ዂሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ዂሉን ህዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓንቲ እኳ ኣይተረፈትን።
3 ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እንታይ በሉ? ካበይከ ናባኻ መጹ? በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ናባይ ዝመጹ እዮም፡ በለ።
4 ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረኣዩ? ኢሉ ሐተተ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮም፡ ካብቲ ኣብ መዛግበይ ዘሎ ዂሉ ሓንቲ እኳ ዘየርኤኽዎም የልቦን፡ ኢሉ መለሰ።
5 ሽዑ ኢሳይያስ ንህዝቅያስ በሎ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስምዓዮ፡
6 እንሆ፡ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉ፡ ሓንቲ እኳ ኸይተረፈት፡ ናብ ባቢሎን ዚወስዱለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ነቶም ካባኻ ዚወጹ እትወልዶም ኣወዳትካ ኸኣ ኪወስድዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ውሽጠ ሓሽከር ኪዀኑ እዮም።
8 ህዝቅያስ ከኣ ንኢሳይያስ፡ እቲ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ደጊሙ ኸኣ፡ ብዘመነይሲ ሰላምን ደሓንን ደኣ ይኸውን፡ በለ።

 

1 ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም።
2 ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ።
3 ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ።
4 ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።
5 ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ።
6 ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ? በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ።
7 ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፊስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ።
8 ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።
9 ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ።
10 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ።
11 ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።
12 ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ?
13 ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ?
14 ምስ መን ተማኸረ? ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ?
15 እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል።
16 ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን።
17 ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም።
18 እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ? ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም?
19 ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምላኽኪ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ።
20 እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ።
21 ኣእምሮ የብልኩምን? እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም? ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተወልኩምን? መሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም?
22 ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።
23 ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ።
24 ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚቡቚ ይወስዶም።
25 ክመዓራረዮስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቅዱስ።
26 ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ? እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።
27 ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ?
28 እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ?
29 ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።
30 ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡
31 እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

 

1 ኣትን ደሴታት፡ ኣብ ቅድመይ ስቕ በላ፡ ህዝብታት ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ይወስኹ፡ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፡ ንዑ ሐቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።
2 ነቲ ብጽድቂ ናብ እግሩ ዝጸውዖ መን እዩ ኻብ ምብራቕ ዘተንስኦ፡ ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፈ ሀቦ፡ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ከኣ ኣግዝኦ፡ ንሴፎም ከም ተጐጓ፡ ንመንትጎም ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚቡቚ ገበሮ።
3 ሰጒጒዎም፡ በታ ኣእጋሩ ከቶ ዘይረገጻኣ መገዲ ብደሓኑ ይሐልፍ ኣሎ።
4 ነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ? እቲ ንወለዶታት ካብ ጥንቲ ዝጸውዔ ኣነ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን ምስቶም ዳሕሮት ዘሎን እየ።
5 ደሴታት ርእየን ፈርሃ፡ ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ፡ ቀረቡ መጹ ኸኣ። ኣጆኻ፡ በለ።
6 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ደገፈ፡ ንሓው ኸኣ፡ ኣጆኻ፡ በለ።
7 ጸራቢ ነቲ ኣምካኽ ፍሲ የፋጥኖ፡ በያዲ ኸኣ ነቲ ኣብ ወጻቓ ዚቕጥቅጥ ብናይ ምጥባቑ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እናበለ የፋጥኖ፡ ከይናቓነቕ ከኣ ብሽንካር የጽንዖ።
8 ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል ባርያይ፡ ኣታ ያእቆብ፡ ዝሐሬኹኻ ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ፡
9 ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምጻእኩኻ፡ ካብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ጸዊዔ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ሓሬኹኻ ኣይነዐቕኩኻን ድማ፡ ዝበልኩኻ።
10 ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
11 እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ዂሎም ኪንውሩ ኪሐፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።
12-13 ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።
14 ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣነ እየ ዝድግፈካ፡ ኣይትፍራህ፡ ተበጃዊኻ ድማ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15 እንሆ፡ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ ሰረገላ መኼዳ ኽገብረካ እየ፡ ነኽራን ክሳዕ ዚድቈሱ ኸተኺዶም፡ ንዀረቢት ከኣ ከም ብቚቡቚ ክትገብሮም ኢኻ።
16 ክትምስእዮም ኢኻ፡ ንፋስ ከኣ ኪወስዶም፡ ህቦብላውን ኪዘርዎም እዩ። ንስኻ ግና ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፡ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትሕበን ኢኻ።
17 ሽጉራትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ እሞ የልቦን፡ ልሳኖም ብጽምኢ ነቐጸ፡ ግናኸ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም፡ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሐድጎምንን እየ።
18 ውሒዝ ኣብቶም መላጣት ኰረቢት፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ኣብ ማእከል ሽንጭሮታት ከውሕዝ እየ፡ ንጸምጸም በረኻስ ማይ ዝመልኦ ቐላይ፡ ንምድሪ ኣጻምእ ከኣ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ።
19-20 ኢድ እግዚኣብሄር እዚ ኸም ዝገበረት፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ ምእንቲ ኺርእዩን ኪፈልጡን ኪሐስቡን ሐቢሮም ኬስተውዕሉንሲ፡ ኣብ በረኻ ንኦም ሊባኖስን መመናን ጸጾን ኣውልዕን ከብቊል፡ ኣብቲ ኣጻምእ ከኣ ጽሕድን ሙዝን ዝበን ኣሕቢረ ኽተክል እየ።
21 ክስኹም ንገሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ መርትዖኹም ኣምጽኡ፡ ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ።
22 ይንገሩ፡ እስኪ ነቲ ዚመጽእ ይግለጹልና፡ ነቲ ናይ ቀደም ባህልኹም፡ ምእንቲ ኽንሐስቦ ፍጻሜኡ ኸኣ ክንፈልጥሲ፡ እስኪ ንገሩና፡ ወይስ ነቲ ዚመጽእ ኣስምዑና።
23 ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነቲ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ንገሩና። ርኢናስ ሐቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸኣ፡ እስኪ ጽቡቕ ወይስ ክፋእ ግበሩ።
24 እንሆ፡ ንስኻትኩም ከንቱ ኢኹም፡ ተግባርኩም ከኣ ብላሽ እዩ፡ እቲ ዚሐርየኩም ድማ ፍንፋን እዩ።
25 ካብ ሰሜን ኣተንሳእክዎ እሞ መጸ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ከኣ፡ ንሱውን ንሰማይ ይጽውዖ፡ ከምቲ ሰራሕ መሬት ንጭቃ ዚረግጾ፡ ንሱ ኸኣ ንመሳፍንቲ ኸም መሬት ይረግጾም።
26 ምእንቲ ኽንፈልጦን ንስኻ ጻድቕ ኢኻ ኽንብልንሲ፡ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ እዚ ዝነገረ መን እዩ? ዚነግር የልቦን፡ ዜስምዓና የልቦን፡ ቃልኩም ዚሰምዕ ከኣ የልቦን።
27 ቅድሚ ዂሉ ንጽዮን፡ እነውልኪ እቲኣቶም እዮም፡ ዝብል ንየሩሳሌም ከኣ ዘበስር ኣነ እየ።
28 እንተ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ የልቦን፡ እንተ ሐተትክዎም ድማ፡ ካብቶም መኻሮ ምላሽ ኪህብ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።
29 እንሆ፡ ኲላቶም ከንቱነት እዮም፡ ተግባሮም ከኣ ምናምን እዩ፡ እቲ ናይ ፍሲ ምስልታቶም ድማ ንፋስን ባዶን እዩ።

 

1 እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ።
2 ኣይኪጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ።
3 ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ።
4 ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን።
5 እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡
6-7 ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ።
8 ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።
9 እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ፡ ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ።
10 ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
11 በረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ፡ ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ።
12 ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ።
13 እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእ፡ ከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕል፡ ይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ።
14 ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩ፡ ሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ።
15 ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞ፡ ንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየ፡ ንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮ፡ ንቐላይውን ከንጽፎ እየ።
16 ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ።
17 እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዚውከሉ፡ ንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዚብሉ፡ ንድሕሪት ገጾም ኪምለሱ፡ ኣዝዮም ድማ ኪንውሩ እዮም።
18 ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ።
19 ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ? ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ? ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ?
20 ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን።
21 እግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ኪገብሮ ተሐጐሰ።
22 ግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹ፡ ምለስ፡ ዚብል ድማ የልቦን።
23 ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዪ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን እዩ?
24 ያእቆብ ንወራር፡ እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ? እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፡ ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ?
25 ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዐወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን።

 

1 ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
2 ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።
3 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጃኻ፡ ንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ።
4 ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።
5 ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ።
6-7 ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል ኣሎኹ
8 ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውር፡ እዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ፡
9 ኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፡ ህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ? እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑ፡ ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡ፡ መርትዕኦም ከኣ የፍልጡ።
10 ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ።
11 ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን።
12 ኣነ እየ ዝነገርኩ፡ ዘድሐንኩ፡ ዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣምላኽ እየ።
13 ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብር፡ ኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ?
14 እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኹም፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡
15 እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩም፡ ፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ።
16-17 እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ – ኲላቶም ብሓደ ወደቑ፡ ኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ – እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡
18 ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ።
19 እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል ኣላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም? እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።
20 ንህዝበይ፡ እቲ ሕሩየይ፡ ምእንቲ ኸስቲ፡ ማይ ኣብ በረኻ፡ ውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እዩ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒ ወኻርያን ሰገንን፡ ከኽብሩኒ እዮም።
21 እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ።
22 ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤል፡ ፋዕራይ ኣይገበርካን።
23 ገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይን፡ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻን።
24 ብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዐብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምካኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተሻየጥካለይን ፡ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን።
25 ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።
26 ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ።
27 እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዐመጹኒ።
28 ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከስክዎም፡ ንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎ፡ ንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ።

 

1 ደጊም ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣታ እስራኤል ከኣ ሕሩየይ፡ ስማዕ፡
2 እቲ ዝሰርሓካን፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካን፡ ዚድግፈካን እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ንስኻውን ይሹሩን ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።
3 ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፡ በረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡
4 ከም ዕቦል ኣብ ጥቓ ወሓዚ ርባ፡ ኣብ ማእከል ሳዕሪ ኺበቚሉ እዮም።
5 እቲ ሓደ፡ ናይ እግዚኣብሄር እየ፡ ኪብል እዩ፡ እቲ ሓደ ኻልእ ብስም ያእቆብ ኪስመ እዩ፡ እቲ ሓደ ድማ፡ ናይ እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ኢዱ ኽጽሕፍ እዩ፡ ንስም እስራኤል ድማ መጸውዒ ኽብረት ኪገብሮ እዩ።
6 እግዚኣብሄር፡ ንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን።
7 ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዚጽውዕ መን እዩ? እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ። ነቲ ዚመጽእን ዚኸውንን ይንገሩ።
8 ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ቀደምዶ ኣየስማዕኩኻን ኣይነገርኩኻንዶኸ? ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ብጀካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ? ካልእ ከውሒ የልቦን፡ ገለ እኳ ኣይፈልጥን።
9 እቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙን። እቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም።
10 ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ?
11 እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡን፡ ኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም።
12 ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦ፡ ብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክም፡ ማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል።
13 ጸራቢ ገመድ ይግትር፡ ብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ኪነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብ፡ ከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ።
14 ኦም ሊባኖስ ይቘርጽ፡ ኣውሕን ኣልጌንን የምጽእ፡ ካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሐሪ፡ ጽሕዲ ይተክል፡ ዝናም ድማ የብቊሎ።
15 እዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾ፡ ምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ።
16 እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶ፡ በቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቚ እሞ፡ ኣሰይ እመውቚ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣሎኹ፡ ይብል።
17 ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ይገብሮ፡ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን።
18 እዚኣቶምሲ፡ ከይርእዩ ኣዒንቶም፡ ከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም።
19 ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፡ ንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ? ንቚራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ? ኪብልሲ ኣብ ልቡ ዚምለስ፡ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን።
20 ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብ፡ ነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲ፡ እተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ።
21 ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤልውን፡ ባርያይ ኢኻ እሞ እዚ ዘክር፡ ኣነ ደኰንኩኻ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ዎ እስራኤል፡ ብኣይሲ ኣይክትርሳዕን ኢኻ።
22 ንገበንካ ኸም ደበና፡ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣጥፊኤዮ እየ። ኣነ እየ ዝብጀወካ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።
23 እግዚኣብሄር እዩ ዝገበሮ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ክብሩ ኸኣ ኣብ እስራኤል ገሊጹ እዩ እሞ፡ ኣቱም መዓሙቚ ምድሪ፡ ብታሕጓስ ጨድሩ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ኣታ ዱር ምስ ኲሉ ኣእዋምካ፡ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
24 እቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻ፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዚገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡
25 ንትእምርቲ ሓሰውቲ ኸንቱ ዝገብሮ፡ ንጠንቈልቲ ዓያሱ ዝገብሮም፡ ንጥበበኛታት ድሕሪት ዝመልሶም፡ ንፍልጠቶም ከኣ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡
26 ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖ፡ንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽሞ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ኪነብርዋ፡ ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ፡ ኪህነጻ፡ ኣነውን ንዖናታተን ከተንስኦ እየ፡ ዚብል፡
27 ንመዓሙቚ ባሕሪ፡ ንጻፍ፡ ንርባታትካውን፡ ኣነ ኸንጽፎም እየ፡ ዚብል፡
28 ብዛዕባ ቂሮስ፡ ንሱ ጓሳይ እዩ፡ ንፍቓደይ ዘበለ ዂሉውን ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ፡ ክትህነጽ፡ ብናይ ቤተ መቕደስውን፡ ክትስረት እያ፡ ዚብል ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

 

1 እግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉ፡ ሕቘ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ፡ ደጌታት ከይዕጾዎ ድማ፡ መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሐዝክዎ ኸምዚ ይብሎ ኣሎ፡
2 ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡ ንድንጉር ከኣ ሰጥ ከብሎ፡ ንመዓጹ ኣስራዚ ሓሸምሸም ከብሎ፡ ንመሸጐሪ ሓጺን ድማ ክሰባብሮ እየ።
3 ኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ መዝገብ ጸልማትን ኣብ ስውር እተሐብኤ ሃብትን ክህበካ እየ።
4 ምእንቲ ያእቆብ ባርያይን እስራኤል ሕሩየይን፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ስም ክብረት ሀብኩኻ።
5-6 እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን።
7 ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
8 ኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፡ ደበናታት ከኣ ጽድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትጨንዳሕ እሞ ምድሓን የፍርዩ፡ ጽድቂውን ኣሕቢራ ተብቊል። እዚ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9 እቲ ምስ ፈጣሪኡ ዚካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ? ግብርኻዶኸ፡ ኣእዳው የብሉን፡ ይብል እዩ?
10 እቲ ነቦ፡ እንታይ ትወልድ ንስኻ? ንሰበይቲ ኸኣ፡ እንታይ ጽዒርኪ ትወልዲ? ዚብል ወይለኡ።
11 እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ፈጣሪኡን፡ ከምዚ ይብል፡ ብናይ እቲ ዚመጽእ ሕተቱኒ፡ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።
12 ንምድሪ ዝገበርኩ፡ ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፡ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፡ ንዂሎም ሰራዊቶምውን ኣዘዝኩ።
13 ነዚ ብጽድቂ ዘተንሳእክዎ ኣነ እየ፡ መገድታቱ ዂሉ ድማ ከጣጥሓሉ እየ፡ ንሱ ብዘይ ምፍዳይን ገጸ በረኸትን ንኸተማይ ኪሰርሓ፡ ንምሩኻተይ ከኣ ኪመልሶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
14 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ጻዕሪ ግብጽን ንግድ ኢትዮጵያን እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ሰብ ሳባን ናባኻ ኺሐልፉ ናትካውን ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ደድሕሬኻ ኺስዕቡ፡ ብመቐውሕ ድማ ኪሐልፉ እዮም እሞ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ኣባኻ እዩ፡ ብጀካኡስ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የልቦን፡ እናበሉ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን ኪልምኑኻን እዮም።
15 ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ ዎ መድሓኒ፡ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።
16 እቶም ጣኦታት ዚገብሩ ዂሎም ኪሐፍሩን ኪደሀሉን፡ ብሓደ ነዊሮም ኪኸዱን እዮም።
17 እስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን ብእግዚኣብሄር ኪድሕን እዩ። ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለም ኣይክትሐፍሩን ኣይክትደሀሉንውን ኢኹም።
18 እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።
19 ብሕቡእ፡ ኣብ ስፍራ ዝጸለመተ ምድሪ ኣይተዛረብኩን፡ ንዘርኢ ያእቆብ፡ ብኸንቱ ድለዩኒ፡ ኣይበልኩን። ኣነ እግዚኣብሄር ጽድቂ ዝዛረብ፡ ቅንዕና ዘውሪ እየ።
20 ኣቱም ካብ ህዝብታት ዘምለጥኩም፡ ተኣከቡ፡ ንዑ፡ ብሓደ ቕረቡ፡ እቶም ንዕጨይቲ ጽሩብ ምስልታቶም ዚጾሩ ኬድሕን ንዘይከኣሎ ኣምላኽ ዚልምኑን ኣእምሮ የብሎምን።
21 እስከ ንገሩ፡ ቅረቡ፡ ብሓደውን ይምከሩ፡ ካብ ጥንቲ እዚ ነገር እዚ መን ኣስምዔ? ካብ ቀደም ዝነገረኸ መን እዩ? ኣይኣነ እግዚኣብሄር እንዶ እየ ዝገበርክዎ? ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፡ ጻድቕን ዜድሕንን ኣምላኽ ብጀካይ ከቶ የልቦን።
22 ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ ከኣ የልቦን እሞ፡ ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዂላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ ድሐኑውን።
23 ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ፡ ኢለ ብርእሰይ መሐልኩ።
24 ብዛዕባይ ከኣ፡ ጽድቅን ስልጣንን ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ፡ ኪበሀል እዩ። ናብኡ ኺመጹ እዮም፡ እቶም ነዲሮምሉ ዝነበሩ ዂላቶም ከኣ ኪሐፍሩ እዮም።
25 ዘርኢ እስራኤል ኲሉ ብእግዚኣብሄር ኪጸድቕን ኪሕበንን እዩ።

 

1 ቤል ይደንን፡ ኔቦ ይጒምበስ፡ ጣኦታቶም ናብ እንስሳን መጽዓኛን ይጸዐን፡ እቶም ዘዞርኩምዎም ነቲ ድኹም መጽዓኛ ከቢድ ጾር ኰይኖም ተጻዕንዎ።
2 ተጐምበሱ፡ ብሓደ ደነኑ፡ ነቲ ጾር ኬድሕንዎ ኣይከኣሉን፡ ንርእሶምውን ተማረኩ።
3 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኲላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዐንኩም፡ ካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩም፡ ስምዑኒ፡
4 ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ።
5 መዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ኢኹም?
6 ወርቂ ኻብ ማሕፉዳ ይኽስክሱ፡ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፡ ምስ ሰራሕተኛ ይዋዓዐሉ፡ ንሱውን ኣምላኽ ይሰርሕ፡ ንሳቶም ከኣ ይሰግዱሉን የማልኽዎን።
7 ኣልዒሎም ኣብ መንኲቦም ይጾርዎ፡ ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ፡ ኣብኡ ይቐውም፡ ካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዔ እንተ ጸውዔ፡ ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን።
8 ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታት፡ ኣብ ልብኹም ተመለሱ።
9 ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን።
10 ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ አነ እየ።
11 ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ፡ ነቲ መማኽርተይ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝጽውዕ ኣነ እየ። እወ፡ ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ፡ ኣሚመ ኽገብሮውን እየ።
12 ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሐቕኩም ተረርቲ ልቢ፡ ስምዑኒ፡
13 ጽድቀይ ኤቕርብ ኣሎኹ፡ ንሱ ርሑቕ ኣይኰነን፡ ምድሓነይ ከኣ ኣይድንጒን፡ ምድሓን ኣብ ጽዮን፡ ክብረይውን ንእስራኤል ክህብ እየ።

1 ድሕሪ ደጊምሲ ሕንቅቕቲ ስውንቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ ውረዲ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ፡ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ብዘይ ዝፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።
2 መጥሓን ሐዚ እሞ ሓርጭ ጥሐኒ፡ ጒልባብኪ ቕልዒ፡ ነቲ ወለል ዚብል ዘፈር ክዳንኪ ሰብስቢ፡ ደናጉኺ ጥራዩ ጌርኪ ውሓይዝ ተሳገሪ።
3 ዕርቃንኪ ይቀላዕ፡ ነውርኺ ኸኣ ይረኤ፡ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዚገጥመለይ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።
4 ስም እቲ ተበጃዊናስ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
5 ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ድሕሪ ደጊም እትየ መንግስትታት ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኣግልሲ።
6 ኣብ ህዝበይ ኰሬኹ፡ ርስተይ ፈንፈንኩ፡ ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሀብክዎም። ንስኺ ኣይምሐርክዮምን፡ ኣርዑትኪ ኣብቶም ኣረገውቲ ኣዚኺ ኣኽበድኪ።
7 ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪ፡ ብናይ መወዳእታውን ከይሐሰብኪ፡ ኣነስ ኰታ ንዂሉ ጊዜ እትየ እየ፡ በልኪ።
8 እምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዜብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒ፡
9 ክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ኪመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቊልናኺ እንተ በዝሔ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዔ፡ ብምሉእ መስፈር ኪመጻኺ እየን።
10 ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦን፡ በልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪ፡ ብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ።
11 ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ።
12 ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስ፡ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ፡ ቕረቢ።
13 ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ።
14 እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።
15 ዕድል እቶም ዝጸዐርክሎም ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ኪብሉ እዮም፡ ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።

 

1 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ብስም እስራኤል እትስመዩ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ኸኣ ዝፈልፈልኩም፡ ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ እትውድሱ ዘሎኹም፡ እዚ ስምዑ፡
2 በታ ቅድስቲ ኸተማ ስለ እተሰምዩ፡ ኣብ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ እተጸግዑ እዮም።
3 እቲ ሕሉፍ ኣቐዲመ ነገርኩ፡ ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣስማዕኩኹም፡ ብድንገት ገበርክዎ፡ ኰነ ኸኣ።
4 ህልኸኛ ምዃንካን፡ ክሳድካ ጅማት ሓጺን፡ ግንባርካውን ኣስራዚ ምዃኑን ፈሊጠ እየ እሞ፡
5 ስለዚ፡ ጣኦተይ እዩ ዝገበሮ፡ እቲ ጽሩብን ፍሱስን ምስለይ እዩ ዝኣዘዞ፡ ከይትብልሲ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፡ ከይኰነ ኸኣ ኣስማዕኩኻ።
6 ነዚ ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንዂሉውን ጠምቶ፡ ንስኻትኩምሲ ኣይተውርይዎንዶ ኢኹም? ካብ ሕጂ ጀሚሩ ሓድሽን ሕቡእን ዘይፈለጥካዮን ነገር ከስማዓካ እየ።
7 ሕጂ ተፈጥረ እምበር፡ ቀደም ኣይኰነን፡ ንስኻ፡ ነዝስ እፈልጦ ነይረ፡ ምእንቲ ኸይትብል፡ ቅድሚ ሎሚ ኣይሰማዕካዮን።
8 ኣይሰማዕካን፡ ኣይፈለጥካን፡ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፍተን። እዚ ኸኣ ጠላሚ ምዃንካን፡ ካብ ማሕጸን ኣዴኻ ጀሚሮም ገበነኛ ኢሎም ከም ዚሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
9 ስለ ስመይ ኢለ ቊጥዓይ ኤደንጒ፡ ከየጽንተካ ድማ፡ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣሎኹ።
10 እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዐዘብኩኻ።
11 ስለይ፡ እወ፡ ስለይ ኢለ ኽገብሮ እየ፡ ከመይ ኢለኸ ንስመይ ይርከስ ክሐድጎ? ክብረይ ከኣ ንኻልእ ኣይህብን እየ።
12 ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻውን ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስማዓኒ፡ ንሱ ኣነ እየ፡ ቀዳማይ ኣነ እየ፡ ዳሕራይውን ኣነ እየ።
13 ኢደይ ምድሪ ሰረተት፡ የማነይተይ ከኣ ሰማያት ዘርግሔት፡ ምስ ዝጽውዖም ድማ ብሓደ ይቘሙ።
14 ኲላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፡ ካባታቶምከ እዚ ዝገበረ መን እዩ? እቲ እግዚኣብሄር ዜፍቅሮ ንፍቓዱ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ኪፍጽሞ እዩ፡ ቅልጽሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ኪኸውን እዩ።
15 ኣነ፡ ኣነ እየ እተዛረብክዎን ዝጸዋዕክዎን፡ ኣነ እየ ዘምጻእክዎ እሞ መገዱ ኺሰልጠሉ እዩ።
16 ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ስምዑ፡ ካብ መጀመርታ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፡ ካብቲ ዝዀነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣሎኹ። ሕጂውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣይን ንመንፈሱን ልኢኹ ኣሎ።
17 እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ ነቲ ዚጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እተኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
18 ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡
19 ዘርእኻ ኸም ሑጻ፡ ፍረ ኸርስኻውን፡ ከም ድበቱ ምዀነ። ስሙ ከቶ ኣይምጠፍኤን፡ ካብ ቅድመይ ድማ ኣይምተደምሰስን ነይሩ።
20 ካብ ባቢሎን ውጹ፡ ካብ ከለዳውያን ጽለቑ፡ ብድምጺ እልልታ ንገሩ፡ ኣውጁ፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣውርዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተበጅይዎ፡ በሉ።
21 ብምድረ በዳ ኺመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን፡ ማይ ካብ ከውሒ ኣውሐዘሎም፡ ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ።
22 ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፡ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ህዝቢ፡ ጽን በሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ ማሕጸን ጸውዓኒ፡ ካብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ስመይ ዘከረ።
2 ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገበሮ፡ ኣብ ጽላል ኢዱ ኸኣ ሐብኣኒ፡ ስሑል ፍላጻ ገበረኒ፡ ኣብ ጒልድባኡውን ከወለኒ፡
3 ኣታ እስራኤል ኣነ ዝኸብረሉ ባርያይ፡ ንስኻ ኢኻ፡ ከኣ በለኒ።
4 ኣነ ግና፡ ብኸንቱ ጸዐርኩ፡ ንዘይጠቅም ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኩ፡ ግናኸ ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ዓስበይ ከኣ ኣብ ኣምላኸይ እዩ፡ በልኩ።
5 እምበኣርሲ እቲ ኣነ ባርያኡ ክኸውን፡ ንያእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ንእስራኤልውን ናብኡ ኽእክቦ ኢሉ፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነኒ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ – ኣነስ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክቡር እየ፡ ኣምላኸይ ከኣ ሓይለይ ኰነ፡ –
6 እወ፡ ንሱ ይብል፡ ንነገድ ያእቆብ ንምትንሳእ፡ ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ንምምላስ፡ ባርያይ ምዃንካ ኣዝዩ ሒደት እዩ። ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ፡ ብርሃን ኣህዛብ ከኣ ክገብረካ እየ።
7 ነቲ ሰብ ዝነዐቖ፡ ህዝብታት ዝፈንፈንዎ ባርያ ገዛእቲ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊ እስራኤልን ቅዱስን፡ ስለቲ እሙን እግዚኣብሄርን ስለቲ ዝመረጸካ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኢሎም ነገስታት ርእዮም ኪትንስኡ፡ መሳፍንቲውን ኪሰግዱ እዮም፡ ይብል ኣሎ።
8-9 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብምሽእቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ። ንምድሪ ኸተቚማ፡ ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶም፡ ንእሱራት፡ ውጹ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው ድማ፡ ተረኣዩ፡ ክትብልሲ ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ። ኣብ መገዲ ኺበልዑ፡ ኣብ ኲሉ መላጥ ኰረቢት ድማ መጓስዪ ኺረኽቡ እዮም።
10 እቲ ዚርሕርሓሎም ኪመርሖም፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ከኣ ኬብጽሖም እዩ እሞ፡ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡንውን እዮም፡ ሃሩር ወይስ ጸሓይ ኣይኪጐድኦምን እዩ።
11 ንዂሉ ኣኽራነይ መገዲ ኽገብሮ እየ፡ ጽርግያታተይ ከኣ ልዕል ኪብል እዩ፡
12 እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፡ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፡ እዚኣቶም ከኣ ካብ ሃገር ሲኒም ይመጹ።
13 እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣጸናንዔ፡ ንሽጉራቱውን ኪምሕሮም እዩ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ተሐጐሲ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ እልል እናበልኩም ጨድሩ።
14 ጽዮን ግና፡ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሐዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒ፡ በለት።
15 ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ? ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።
16 እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።
17 ውሉድኪ ቐልጢፎም ይመጹ፡ መፍርስትኺን መጥፋእትኽን ይወጹልኪ።
18 ዓይኒኺ ቚሊሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ፡ ኲላቶም ተኣኻኺቦም ናባኺ ይሙጹ ኣለው። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንዂላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡ ከም መርዓት ከኣ ክትወናዘፍዮም ኢኺ።
19 ኣብቲ ዑናኽን ዝባደመ ቦታኽን፡ ኣብቲ ዝጠፍኤ ምድርኽን ሕጂ ብርግጽ ነቶም ዚነብሩኺ ኽትጸብዮም ኢኺ፡ እቶም ዝወሐጡኺ ድማ ኪርሕቁ እዮም።
20 እቶም ጠፊኦም ዝነበሩ ውሉድኪ ኸኣ፡ ስፍራ ጸቢቡኒ፡ ክነብረሉ ዀታ ኣርሕብለይ፡ ኢሎም ኣብ እዝንኺ ኺዛረቡኺ እዮም።
21 ሽዑ ብልብኺ፡ ነዚኣቶም መን ወለደለይ? ኣነ ውሉደይ ዝጠፍኡኒ መኻን ምርኽትን ስጉጒትን ዝነበርኩስ፡ ነዚኣቶም መን ኣዕበዮም? እኔኹ፡ በይነይ ተሪፈ ነበርኩ፡ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ? ክትብሊ ኢኺ።
22 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ኣቢለ ኸልዕል፡ ንሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ከቚሞ እየ። ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሐቚፎም ኬምጽኡልኪ፡ ነዋልድኪውን ኪሕንግርወን እዮም፡
23 ነገስታት ከኣ መዕበይትኺ፡ ንግስትታቶም ድማ መጒዚታትኪ ኪዀኑ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ፡ ተጐጓ እግርኺውን ኪልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፡ እቶም ዚጽበዩኒ ድማ ከም ዘይሐፍሩን፡ ክትፈልጢ ኢኺ።
24 ንጅግናዶ ነቲ ዝዘረፎ የግድፍዎ እዮም? ወይስ እቲ እተማረኸ ጻድቕዶ የምልጥ እዩ?
25 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምሩኻት እቲ ጅግና እኳ ኺዝረፉ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨካን ከኣ ኪምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።
26 ንጠቓዕትኪ ስጋ ርእሶም ከብልዖም እየ፡ ብደም ርእሶም ከኣ ከም ብዀልዒ ወይኒ ኺሰኽሩ እዮም፡ ኲሉ ስጋ ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተበጃዊኽን፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ምዃነይ ኪፈልጥ እዩ።

1 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣነ ዝፈታሕኩሉ ጽሕፈት ምፍታሕ ኣዴኹም ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ እቲ ንእኡ ዝሸጥኩኹም ብዓል ዕዳይ መን እዩ፧ እንሆ፡ ብሰሪ በደልኩም ደኣ ኢኹም እተሸጥኩም፡ ብሰሪ ገበንኩም ድማ ኣዴኹም ተፈትሔት።
2 ስለምንታይ እዩ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሔ? ጸዊዔ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይመልሰለይ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ? ወይስ ከናግፍዶ ሓይሊ የብለይን? እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ ኤንጽፎ፡ ንወሓይዝ ድማ ምድሪ ኣጻምእ እገብሮ፡ ሰኣን ማይ ከኣ ዓሳታቱ ብጽምኢ ሞይቶም ይምሽምሹ።
3 ንሰማያት ብጸልማት እኽደኖ፡ መጐልበቢኡ ድማ ከሊ እገብሮ።
4 ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን።
6 ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን።
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ።
8 እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ፡ መን እዩ ዚማጐተኒ፧ ብሓደ ንቑም። መንከ እዩ ተጻራርየይ፧ ይቕረበኒ።
9 ንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ፡ ዚዂንነኒ ደኣ መን እዩ? እንሆ፡ ኲላቶም ከም ዓለባ ኺበልዩ፡ ብልዒውን ኪበልዖም እዩ።
10 ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡውን ዚሰምዕ መን እዩ? እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ብርሃን ከኣ ዚስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ።
11 እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዂላትኩም፡ እያድ ከኣ እትዕጠቑ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ፡ እዚ ኻብ ኢደይ እዩ ዚመጻኩም፡ ኣብ ስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም።

1 ኣቱም ንጽድቂ እትስዕቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ እትደልዩ፡ ጽን በሉኒ፡ ናብቲ እተፈንጫሕኩምሉ ኸውሕን፡ ናብታ እተዀዐትኩምላ ጒድጓድ ዔላን ኣስተብህሉ።
2 ሓደ በይኑ ኸሎ፡ ጸዊዔዮን ባሪኸዮን ኣብዚሔዮን እየ እሞ፡ ናብ ኣቦኹም ኣብርሃምን፡ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ኣስተብህሉ።
3 እግዚኣብሄር ንጽዮን ኬጸናንዓ፡ ንዂሉ ዑናታታ ኼጸናንዕ፡ ንምድረ በዳኣ ኸም ገነት፡ ንበረኻኣ ድማ ከም ኣታኽልቲ እግዚኣብሄር ኪገብሮ እዩ እሞ፡ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን ኣብኣ ኺርከብ እዩ።
4 ሕጊ ኻባይ ይወጽእ፡ ብርሃን ህዝብታት ኪኸውንሲ፡ ፍርደይ ከንብር እየ እሞ፡ ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣድህብ፡ ኣታ ዓሌተይ፡ ጽን በለኒ።
5 ጽድቀይ ቀረባ ኢዩ ምድሐነይ ወጺኡ ኣሎ ቀላጽመይ ድማ ንህዝብታት ኪፈርዱ፡ ደሴታት ኪትስፈዋኒ፡ ኣብ ቅልጽመይ ከኣ ኪውከላ እየን።
6 ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ቊሊሕ ኣብሉ፡ ታሕቲ ገጽኩም ከኣ ናብ ምድሪ ጠምቱ፡ እንሆ፡ ሰማያት ከም ትኪ ኺበኑ እዮም፡ ምድሪ ድማ ከም ክዳን ክትበሊ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ከምኣ ኺሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጽድቀይውን ኣይኪስዐርን እዩ።
7-8 ፍልሖ ኸም ክዳን ኪበልዖም፡ ብልዒ ኸኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ እሞ፡ ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣታ ኣብ ልብኻ ሕገይ ዘሎካ ህዝቢ፡ ስማዓኒ፡ ላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁ፡ ብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ።
9 ኣታ ቕልጽም እግዚኣብሄር፡ ንቓሕ፡ ንቓሕ፡ ሓይሊ ተኸደን፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ብዘመናት ቀደም ዝገበርካዮ፡ ንቓሕ። ንረሃብ ዝቘራረጽካ፡ ንገበል ዝወጋእካስ ንስኻዶ ኣይኰንካ?
10 ንባሕሪ፡ ናይቲ ብርቱዕ መዓሙቚ ማያት፡ ዘንጸፍካ፡ እቶም ድሑናት ኪሐልፉሉ ኸኣ ነቲ ቆር ባሕሪ መገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኰንካ?
11 እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።
12 ኣነ፡ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሐልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ?
13 ነቲ ሰማያት ዝገተረ፡ ንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮ። ኲሉ ጊዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ እቲ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ ትፈርህ ኣሎኻ። ነድሪ እቲ ገፋዒ ደኣ ኣበይ ኣሎ?
14 እቲ እሱር ቀልጢፉ ኺፍታሕ፡ ኣይኪመውትን ኣይኪቕበርን፡ እንጌራውን ኣይኪስእንን እዩ።
15 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንባሕሪ፡ ማዕበላ ኽሳዕ ዚሀምም፡ ኤናውጻ፡ ስሙውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።
16 ንሰማያት ክተኽሎም፡ ንምድሪ ኸኣ ክስርታ፡ ንጽዮን ድማ፡ ንስኺ ህዝበይ ኢኺ፡ ክብልሲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፡ ብጽላል ኢደይውን ከወልኩኻ።
17 ኣቲ፡ የሩሳሌም፡ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ጽዋእ ነድሩ ዝሰቴኺ፡ ነቲ ዜስክር ጽዋእ ዝሰቴኽዮን ዝጨለጥክዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ተንስኢ።
18 ካብ ኲሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ ሓደ እኳ ዚመርሓ የልቦን፡ ካብ ኲሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ ሓደ እኳ ኢዳ ዚሕዝ የልቦን።
19 እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፡ መን እሞ ኺርሕርሓልኪ እዩ? ጥፍኣትን ምብራስን፡ ጥሜትን ሰይፍን እንሆልኪ። ከመይ ገይረ ኸጸናንዓኪ እየ?
20 ውሉድኪ ዛሕ ኢሎም፡ ከም ድንኩላ ኣብ መፈንጠራ ኣብ ኲሉ ቐራና መገድታት በጥ በሉ። ቊጥዓ እግዚኣብሄርን መግናሕቲ ኣምላኽክን መልኦም።
21 ስለዚ፡ኣቲ ሽግርቲ፡ ብወይኒ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣቲ ስኽርቲ፡ ነዚ ስምዒ፡
22 እግዚኣብሄር ጐይታኺ፡ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዚጣበቕ ኣምላኽኪ፡ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ነቲ ጽዋእ ስኽራን፡ ነቲ ጽዋእ ቊጥዓይ፡ ካብ ኢድኪ ወሰድክዎ፡ ድሕርዚ ኣይክትሰትይዮን ኢኺ።
23 ኣነ ኸኣ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኺ፡ ብኣኺ ኣቢልና ኽንሳገርሲ ተጐምበሲ፡ ዝበልዋ፡ መሸገርቲኺ ኽህቦ እየ፡ ንስኺ ድማ ዝባንኪ ነቶም ሐለፍቲ ኸም ምድሪ፡ ከም መገዲ ገበርክሎም።

1 ድሕሪ ሕጂ ዘይተገዝረን ርኹስን ኣባኺ ኣይኪኣቱን እዩ እሞ፡ ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ሓይልኺ ልበሲ፡ ዎ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቅድስቲ ኸተማ፡ እቲ ብሉጽ ልብስኺ ልበሲ።
2 ኣቲ የሩሳሌም፡ ተጐጓኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ። ኣቲ ምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ንማእሰርቲ ኽሳድኪ ፍትሕዮ።
3 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ብኸምኡ ተሸጥኩም፡ በዘይ ገንዘብ ከኣ ክትብጀው ኢኹም።
4 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ህዝበይ ምእንቲ ኣብኣ ኺነብር፡ ቀደም ናብ ግብጺ ወረደ፡ ኣሶር ከኣ ብዘይ ምኽንያት ጠቕዖ።
5 ህዝበይ ብዘይ ምኽንያት ካብ ዚማረኽ፡ ሕጂ ኣብዚ እንታይ ኣሎኒ? ይብል እግዚኣብሄር፡ ገዛእቲ ኸኣ ይጭድሩ፡ ስመይውን ኲሉ ጊዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ይጽረፍ ኣሎ።
6 ስለዚ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፡ ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እኔኹልካ፡ ዚብል ኣነ ኸም ዝዀንኩ ኺፈልጥ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7 እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።
8 እግዚኣብሄር ናብ ጽዮን ምስ ተመልሰ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ኺርእይዎ እዮም እሞ፡ እቶም ደርቱምኪ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ሐቢሮም እልል ኪብሉ እዮም።
9 ኣትን ዑናታት የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘጸናንዖ፡ ንየሩሳሌም ስለ እተበጀዋ፡ ብሓጐስ እልል በላ፡ ሐቢርክን ኣመስግና።
10 እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ኣህዛብ ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቐልዖ፡ ኲለን ወሰናት ምድሪ ኸኣ ምድሓን ኣምላኽና ኺርእያ እየን።
11 ርሐቑ፡ ርሐቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡ ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ፡ ካብ ማእከል ውጹ፡ ንጽሁ።
12 እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ኪኸይድ፡ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብታህዋኽ ኣይክትነቕሉን፡ ብምህዳም ከኣ ኣይክትግስግሱን ኢኹም።
13 እንሆ፡ ባርያይ በእምሮ ኼስልጥ፡ ኪኸብር ልዕል ኪብል፡ ኣዝዩውን ኪዐዝዝ እዩ።
14 ብዙሓት ብኣኻ ኸም እተገረሙ፡ – ትርኢቱ ኻብ ካልኦት ሰብ ሕሱር ነበረ። መልክዑ ድማ ካብ ካልኦት ደቂ ሰብ ሐመቐ። –
15 ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬገርሞም እዩ። ነቲ ዘይተዘንተወሎም ኪርእይዎ፡ ነቲ ዘይሰምዕዎ ድማ ኬስተውዕልዎ እዮም እሞ፡ ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪሕዙ እዮም።

1 ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ? ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደሉ?
2 ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን።
3 ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን።
4 ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።
5 ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።
6 ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ።
7 መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።
8 ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጸ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ? ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ።
9 እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ።
10 እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ።
11 ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ።
12 ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።

1 ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
2-3 ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ።
4-5 ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ።
6 ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓት፡ እግዚኣብሄር ጸውዓኪ፡ ይብል ኣምላኽኪ።
7 ንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺ፡ ብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ።
8 ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪ፡ ብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ።
9 እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል ኣሎኹ።
10 ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር።
11 ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆ፡ ብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡
12 ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ።
13 ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ።
14 ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ።
15 እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም።
16 እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢ፡ ኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ።
17 ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ
2 ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተትፍኡሉስ ስለምንታይ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ።
3 እዝንኹም ናባይ ጽለው እሞ ናባይ ንዑ፡ ስምዑ፡ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፡ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ነባሪ ጸጋ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን፡ ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ።
4 እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ።
5 እንሆ፡ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፡ ዘይፈለጠካ ህዝቢ ድማ፡ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ምእንቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፡ ንሱ ኣኽቢሩካ እዩ እሞ፡ ናባኻ ኺጐዪ እዩ።
6 ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ።
7 ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ፡ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።
8 ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9 ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።
10 ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘራኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡
11 እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።
12 ብሓጐስ ክትወጹ፡ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ፡ ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም፡ ኲሎም ኣእዋም መሮርውን ኬጣቕዑልኩም እዮም።
13 ኣብ ክንዲ እሾዂስ ጽሕዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣምዔ ድማ ጸጾ ኺበቊል እዩ፡ እዚውን እግዚኣብሄርን ስምን ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ምልክትን ኪኸውን እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምድሓነይ ኪመጽእ፡ ጽድቀይ ድማ ኪግለጽ ቀረባ እዩ እሞ፡ ፍርዲ ሐልው ጽድቂውን ግበሩ።
2 እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ፡ ብእኡ ዚጸንዕ፡ ንሰንበት ከየርክስ ድማ ዚጥንቀቕ፡ እከይ ከይገብርውን ኢዱ ዚሕሉ ወዲ ሰብ ብጹእ እዩ።
3 እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዝገበረ መጻእተኛ፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ፡ ኣይበል። እቲ ስሉብ ድማ፡ እንሆ፡ ንቑጽ ኦም እየ፡ ኣይበል።
4 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩ፡ ኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡
5 ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ።
6 ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ፡ ባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑ፡ ኪዳነይውን ዜጽንዑ ዂላቶም፡
7 ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጒሶም እየ፡ ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ።
8 እቲ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለው እስራኤል ዚኣኻኽብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም እኩባቱ ካልኦትውን ክእክብ እየ፡ ይብል ኣሎ።
9 ኣቱም ኣራዊት መሮር ኲላትኩም፡ ኣቱም ኣራዊት ዱር ኲላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ።
10 ሐለውቱ ዕውራት እዮም፡ ኲላቶም ኣእምሮ የብሎምን፡ ኲላቶም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፡ ይሐልሙ፡ በጥ ይብሉ፡ ድቃስ ይፈትው ኣለው።
11 ህሩፋት ኣኽላባት ከቶ ዘይጸግቡ እዮም፡ እዚኣቶም ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕራይ ረብሓ ርእሱ ደለየ፡ ኲሎም ናብ መመገዶም ዘምበሉ።
12 ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፡ ብርቱዕ መስተ ሰቲና ንስከር፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ፡ ኤረ ኣዝዩ ዝበለጸ እኳ ደኣ ኪኸውን እዩ፡ ይብሉ።

 

1 ጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን።
2 ናብ ሰላም ይኣቱ፡ እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ኣብ መደቀሲኦም ይዐርፉ።
3 ግናኸ ኣቱም ደቂ ጠንቋሊት፡ ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን፡ ናብዚ ቕረቡ።
4-5 ንመን ኢኹም እተባጭውሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም ልሳንኩም እተውጽኡሉ? ኣቱም ንጣኦታት ኣብ ትሕቲ ዝለምዔ ዘበለ ዂሉ ኦም እትብህጉ፡ ንደቂ ድማ ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን እትሐርድዎም፡ ደቂ ኣበሳን ዘርኢ ሓሶትንዶ ኣይኰንኩምን?
6 እቲ ልሙጽ ኣእማን ርባ እዩ ግዴኺ፡ ንሱ፡ ንሱ እዩ ብጽሒትኪ፡ ንእኡውን መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሉ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረብክሉ፡ ኣነዶ በዚ እሕጐስ እየ?
7 ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ ከረን መደቀሲኺ ኣዳሎኺ፡ ኣብኡ ድማ መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውኢ ደየብኪ።
8 ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፡ ንኣይ ሐደግኪ፡ ንኻልእ ተቐንጢጥኪ ደየብክሉ፡ንመደቀሲኺውን ኣርሐብክዮ፡ ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቶኺ፡ ኣብቲ ዝርኤኽዮ ቦታ ዂሉ መደቀሲኦም ፈቶኺ።
9 ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፡ ቅዲትኪ ኸኣ ኣብዛሕኪ፡ ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፡ ክሳዕ ሲኦል ተዋረድኪ።
10 ብምርሓቕ መገዲ ደኸምኪ፡ ግናኸ፡ ተስፋ ቐቢጸስ፡ ኣይበልክን። መሊስኪውን ኣብ ኢድኪ ሓይሊ ረኸብኪ፡ ስለዚ ኣይተሐለልክን።
11 እትጠልምን ዘይትዝክርንን፡ ኣብ ልብኺ ዘይትሐስብዮንሲ፡ መን እዩ ዘሰምበደክን ዘፍርሃክን? ኣነዶ ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኣይበልኩን እየ? ስለዚ ኸኣ ኣይፈራህክንን።
12 እምበኣር ኣነስ ጽድቅኽን ግብርኽን ክነግር እየ፡ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመክን እዩ።
13 ምስ እተእውዪ፡ እቶም እኩባትኪ የድሕኑኺ፡ ግናኸ ንፋስ ንዂላቶም ኪወስዶም፡ ጸለውታ ንፋስ ከኣ ኪጸርጎም እዩ። እቲ ናባይ ዚጽጋዕ ግና ነቲ ሃገር ኪግንዘቦ ነቲ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኪወርሶ እዩ።
14 ኣዐርዩ፡ ኣዐርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ህዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑ፡ ኪበሀል እዩ።
15 ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ።
16 ንዘለኣለም ኣይክብኣስን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣይክቚጣዕን እየ። እንተ ዘይኮነስ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን መንፈስን ኣብ ቅድመይ ምተሐለላ።
17 ብሰሪ ኣበሳ ንፍገቱ እየ እተቘጣዕኩን ዝወቓዕክዎን፡ ተሐባእኩ፡ ተቘጣዕኩ ድማ፡ ንሱውን ዓልዩ ብመገዲ ልቡ ኸደ።
18 መገድታቱ ርኤኹ፡ ከሕውዮን ክመርሖን እየ፡ ንእኡን ንጒህያቱን ከኣ ምጽንናዔይ ክመልሰሎም እየ።
19 ኣነ ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፡ ሰላም፡ ሰላም ነቲ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘሎ ይኹን፡ ኣነውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
20 እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ኪሀድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ።
21 እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ።

 

1 ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።
2 ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጥ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው።
3 ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻና? ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ? እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣሎኹም።
4 እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም።
5 እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ? ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ?
6 እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን?
7 እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን?
8 ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ።
9 ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡
10 ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።
11 እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።
12 ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዐረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።
13 ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሐጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡
14 ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።

 

1 እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ።
2-3 ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር ኣሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።
4 ብጽድቂ ዚጠርዕ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብሓቂ ዚምጒት ሓደ እኳ የልቦን፡ ኣብ ከንቱነት ይውከሉ፡ ሓሶት ከኣ ይዛረቡ፡ እከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣትውን ይወልዱ ኣለው።
5 እንቋቚሖ ገበል ይሐቚፉ፡ ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ፡ እቲ ኻብ እንቋቕሖ ዚበልዕ ይመውት፡ ካብቲ እተጨፍለቐ ድማ መንደልቶ ይነቊሕ።
6 ዓለባኦም ክዳን ኣይከውንን፡ ብግብሮም ከኣ ኣይኪኽደኑን እዮም። ግብሮም ግብሪ እከይ እዩ፡ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመጻ ኣሎ።
7 ኣእጋሮም ናብ እከይ ይጐይ፡ ንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉ፡ ሓሳቦም ሓሳብ እከይ እዩ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ መገድታቶም ኣሎ።
8 ንመገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፡ ኣብ ኣኻይዳኦም ቅንዕና የልቦን፡ ንመገድታቶም ይጠዋውይዎ፡ እቲ ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን።
9 ስለዚ ቕንዕና ኻባና ረሐቐ፡ ጽድቂውን ኣየርክበናን እዩ። ንብርሃን ንጽበ፡ እንሆ ኸኣ ጸልማት፡ ንድሙቕ ብርሃን ንጽበ፡ ግናኸ ብጸልማት ኢና እንመላለስ ዘሎና።
10 ከም ዕውራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ፡ እወ፡ ከምቶም ዓይኒ ዜብሎም ሃሰስ ንብሎ ኣሎና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብጊዜ ጽልግልግታ ደርገፍገር ንብል። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምውታት ኰንና።
11 ኲላትና ኸም ድብታት ንሀብብ፡ ከም ረገቢት ንቚዝም፡ ንቕንዕና ንጽበ ኣሎና፡ ግናኸ የልቦን፡ ንምድሓን፡ ንሱውን ካባና ርሑቕ እዩ።
12 ገበንና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። ገበንና ምሳና እዩ ዘሎ እሞ፡ ንኣበሳና ንፈልጦ ኢና፡
13 ካብ እግዚኣብሄር ዐሎና ኽሐድናዮውን፡ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ተዝሐጥና፡ ግፍዕን ዕልወትን ተዛረብና፡ ዘረባ ሓሶት ጠኒስና ኻብ ልብና ደርጓሕናዮ።
14 ፍርዲ ድማ ንድሕሪት ኣቢሉ ተመልሰ፡ ጽድቂ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ቅንዕና ኺኣቱ ኣይተኻእሎን።
15 እወ፡ ሓቂ ተሳእነ፡ እቲ ኻብ እከይ ዚርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ፡ እግዚኣብሄር እዚ ረኣየ፡ ቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሀየ።
16 ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ረኣየ፡ ሓደ እኳ ዜማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ። ሽዑ ቕልጽሙ ረድኦ፡ ጽድቁውን ደገፎ።
17 ንጽድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸድኖ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእተወ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ኸኣ ተወንዘፈ፡ ንጸዓትውን ከም ባርኖስ ገይሩ ለፈፎ።
18 ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፡ ኲራ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ፡ ንደሴታትውን ፍዳ ኺህብ እዩ።
19 እምበኣርሲ ስም እግዚኣብሄር ካብ ምዕራብ፡ክብሩ ኸኣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪፍራህ እዩ። ጸላኢ ኸም ውሒዝ ደሪኹ እንተ መጸ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ኪሰጎ እዩ።
20 ንጽዮንን ነቶም ካብ ምዕላዎም ናብ ያእቆብ ዚምለሱን ተበጃዊ ኺመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
21 ኣነስ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን፡ እተን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክወን ቃላተይን ካብ ኣፍካ ወይስ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅካ ኻብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ።
2 እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ።
3 ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም።
4 ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ ኣለው።
5 ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ።
6 ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡ፡ ውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም።
7 ኲላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኺእከባ፡ ድቤላታት ኔባዩት ኬገልግሉኺ፡ ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም፡ ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ።
8 እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም?
9 ደሴታት ይጽበያኒ፡ ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ ኣሞ፡ ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፡ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኼምጽኣስ፡ መራኽብ ተርሲስ ቅድም ኪመጻ እየን።
10 ብዂራይ ወቒዔኪ፡ ብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ እሞ፡ ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎ፡ ነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም።
11-12 እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።
13 ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ክብሪ ሊባኖስ፡ ጽሕድን ሙዝን ዝበን፡ ሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።
14 ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኺመጹ፡ እቶም ዝነዐቑኺ ዂሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም።
15 ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ፡ ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ።
16 ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡ ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ።
17 ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቚኪ ሰላም፡ ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።
18 ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንዴጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ኽትሰምይየን ኢኺ።
19 እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፡ ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን፡ ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ።
20 እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ፡ መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ፡ ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብን፡ ወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ።
21 ኲሎም ህዝቢ ብዘለው ጻድቃን ኪዀኑ፡ ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ኪወርስዋ እዮም፡ ንሳቶም ንኽብረይ ዚኸውን ጨንፈር ተኽለይ፡ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
22 እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።

 

1 ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።
2 ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡
3 ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
4 ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም።
5 ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ፡ መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም።
6 ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም።
7 ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።
8 ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ።
9 ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ፡ ትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም።
10 ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ ኣሎ።
11 ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ።

 

1 ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡ ምድሓና ኸኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል፡ ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡ ስለ የሩሳሌም ድማ ኣይክዐርፍን እየ።
2 ኣህዛብ ንጽድቅኺ፡ ኲሎም ነገስታት ከኣ ንኽብርኺ ኺርእዩ እዮም፡ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውጽኦ ሓድሽ ስም ክትስመዪ ኢኺ።
3 ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።
4 ድሕርዚ ሕድግቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ፡ ሃገርኪ ኸኣ ጸምጸም በረኻ ኣይክትበሀልን እያ። እግዚኣብሄር ባህ ኢሉልኪ፡ ሃገርኪ ድማ ሔምኣ ረኺባ እያ እሞ፡ ንስኽስ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ፡ ክትስመዪ ኢኺ፡ ሃገርኪውን ሔማ ኽትበሀል እያ።
5 ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡ ከምኡ ደቅኺ ኺምርዐውኺ እዮም እሞ፡ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡ ከምኡ ኣምላኽኪ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ።
6 ዎ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቚመ ኣሎኹ፡ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ።
7 ንየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡ ኣብ ምድሪውን መመስገኒ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ።
8-9 እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን ብሓያል ቅልጽሙን መሐለ፡ እቶም ዝኣከብዎ ኺበልዕዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኬመስግንዎ እዮም፡ እቶም ዘእተውዎ ድማ ኣብ ኣጸድ መቕደሰይ ኰይኖም ኪሰትይዎ እዮም እምበር፡ ብሓቂ፡ ድሕርዚ እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ኢለ ኣይክህቦምን እየ፡ ነቲ ዝጸዐርክሉ ወይንኺ ኸኣ ጓኖት ኣይኪሰትይዎን እዮም።
10 ሕለፋ፡ ብደጌታት ሕለፋ፡ መገዲ ነቲ ህዝቢ ኣዳልዉሉ፡ ኣጣጥሑ፡ መገዲ ጽርግያ ኣጣጥሑ፡ ኣእማን ጽረጉ፡ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።
11 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣወጀ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ፡ ምድሓንኪ ይመጽእ ኣሎ፡ እንሆ፡ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፡ ዓስቡ ኸኣ ቀቅድሚኡ እዩ፡ በልዋ።
12 ንሳቶም ድማ፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም። ንስኺውን እትበሀግ፡ ዘይትሕደግ ከተማ ኽትበሀሊ ኢኺ።

1 እዚ ብኽዳውንቱ ዘጌጸ፡ ብሓይሊ ጒልበቱ ዚሽነን፡ ካብ ኤዶም፡ ካብ ቦጽራ፡ ግምጃ ለቢሱ ዚመጽእ መን እዩ? ኣነ እየ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብ፡ ንምድሓን ስልጡን።
2 ስለምንታይ ክዳንካ ቔሔ? ስለምንታይከ ኣልባስካ ነቲ ናይ ርጋጽ ዘቢብ መሰለ?
3-4 መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ።
5 ግልጽ በልኩ፡ ሓጋዚ ኸኣ ኣይነበረንን፡ ዚድግፈኒ ስለ ዘይተረኽበ ኸኣ ተዐነድኩ። ሽዑ ቕልጽመይ ኣድሐነኒ፡ ነድረይ ከኣ ደገፈኒ።
6 ብዂራይ ንህዝብታት ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ኣስከርክዎም፡ ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ዂዖኹ።
7 ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረለና ዂሉ ሰናይ ግብርን፡ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፡ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።
8 ብሓቂ ህዝበይ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም፡ በለ እሞ፡ መድሓኒኦም ኰነ።
9 ኣብ ኲሉ ጸበባኦም ጸበቦ፡ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሐኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ብዝሐለፈ ዘመናት ኲሉ ጊዜ ሐንገሮምን ሐዘሎምን።
10 ንሳቶም ግና ዐለው፡ ንቅዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጒሀዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉውን ተዋግኦም።
11 ሽዑ ንሱ ንዘመን ቀደምን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፡ እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሴኡ ኻብ ባሕሪ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ? እቲ ንቅዱስ መንፈሱ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ?
12 እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፡ እቲ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝኸፈለ፡
13 እቲ ኸም ፈረስ ኣብ በረኻ ኸይተዐንቀፈ ኣብ መዓሙቚ ዝመርሖም ኣበይ ኣሎ?
14 ከብቲ ናብ ለሰ ኸም ዚወርዳ፡ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብጽሖም፡ ንርእስኻ ኽቡር ስም ክትገብርሲ፡ ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮም።
15 ካብ ሰማይ ኣመንጽር፡ ካብቲ ማሕደር ቅድስናኻን ግርማኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ኣበይ ኣሎ? ርሕራሔ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።
16 ንስኻ ደኣ ኢኻ ኣቦና፡ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን፡ እስራኤል ድማ ኣየለልየናን እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና፡ ስምካ ኸኣ ካብ ዘለኣለም ተበጃዊና እዩ።
17 ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ መገድኻ ክንዘብል፡ ከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኺተርር ዝሐደግካና ስለምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፡ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።
18 እቲ ቅዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ዘመን ጥራይ ተረስተየ፡ ጸላእትና ንመቕደስካ ረገጽዋ።
19 ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይመለኽካዮም፡ ከምቶም ብስምካ ዘይተሰምዩ ዄንና ኣሎና።

 

1 መንሞ ኺህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ፡ ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ነነይ ምበሉ፡
2 ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶ፡ ሓዊውን ንማይ ከም ዜፍልሖ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምእንቲ ኸተፍልጥ ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ኪብሉስ፡
3 ዘይተጸቤናዮ ዜገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፡ ወረድካ፡ ኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ነነይ በሉ።
4 ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረኣየቶን።
5 ነቲ ተሐጒሱ ጽድቂ ዚገብር፡ ነቶም ኣብ መገድኻ ዚዝክሩኻ ትቃባበሎም። እንሆ፡ ንስኻ ዀሬኻ፡ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ብእኡ ነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ንድሕን ዶዀን ንኸውን?
6ኲላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን እዩ፡ ኲላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቊጸና ኣሎ።
7 ገጽካ ኸዊልካልና፡ ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፡ ስምካ ዚጽውዕን ንኣኻ ኺሕዝ ኢሉ ዚትንስእን ሓደ እኳ የልቦን።
8 ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና።
9 ዎ እግዚኣብሄር፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፡ ኣበሳውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። እንሆ፡ ጠምት፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ኲልና ህዝብኻ ኢና።
10 እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን፡ ጽዮን በረኻ ዀይና፡ የሩሳሌም ዖንያ።
11 እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስገኑላ ቅድስትን ክብርትን ቤትና ብሓዊ ነደደት፡ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን ብዘሎ በረሰ።
12 ዎ እግዚኣብሄር፡ በዚ ነገር እዚዶ ኽትዘሐጥ ኢኻ? ስቕ ክትብል እሞ እምብዛዶ ኸተጨንቕና ኢኻ?

1 እቶም ግደይ ዘይገብሩ ደለዩኒ፡ እቶም ዘይደለዩኒ ድማ ረኸቡኒ። ነቲ ብስመይ ዘይተሰምየ ህዝቢ ኸኣ፡ እኔኹ፡ እኔኹ፡ በልክዎ።
2 ነቲ ሰናይ ብዘይኰነት መገዲ ደድሕሪ ሓሳብ ርእሱ ዚመላለስ ዓለወኛ ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩሉ።
3 እቲ መመሊሱ ኣብ ቅድመይ ዜዀርየኒ ህዝቢ፡ ኣብ ኣታኽልቲ ዚስውእ፡ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከኣ ዕጣን ዚዐጥን፡
4 ኣብ መቓብራት ዚሰፍር፡ኣብ ሕቡእ ስፍራ ዝሓድር፡ ስጋ ሓሰማ ዚበልዕ፡ ኣብ ጻሕሉ ኸኣ ርኹስ ምግቢ ዘለዎ፡
5 እቲ፡ ካብኻ ኣነ ኣዝየ ቅዱስ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ኣይትቕረበኒ፡ ዚብል ህዝቢ፡ እዚ ኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፡ ምሉእ መዓልቲ ዚነድድ ሓዊ እዮም።
6-7 እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ እወ፡ ንኣበሳኹም ምስኡውን ንኣበሳ ኣቦታትኩም ኣብ ሕቚፎም ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ኣኽራን ዕጣን ዐጠኑ፡ ኣብ ኲድዂዶታት ከኣ ጸረፉኒ፡ ስለዚ ኣቐዲመ ግብሮም ኣብ ሕቚፎም ክሰፍረሎም እየ።
8 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ከምቲ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ዘለላ ምስ ዚርከብ፡ በረኸት ኣለዎ እሞ፡ ኣይተጥፍእዎ፡ ዚበሀል፡ ኣነውን ንዂላቶም ከየጥፍኦምሲ፡ ስለ ባሮተይ ኢለ ኸምኡ ኽገብር እየ።
9 ካብ ያእቆብ ዘርኢ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ወራስ ኣኽራነይ ከውጽእ እየ። ሕሩያተይ ኪወርስዋ፡ ባሮተይ ከኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።
10 ነቲ ዝደለየኒ ህዝበይ ከኣ ሳሮን መጓሰዪ ኣባጊዕ፡ ለሰ ኣኮርውን መደቀሲ ከብቲ ኪኸውን እዩ።
11 ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር እትሐድጉ፡ ንቅዱስ ከረነይ እትርስዑ፡ ንጋድ መኣዲ እትሰርዑሉ፡ ንሜኒ ኸኣ ወይኒ እተስልፍዎ፡
12 ጻዋዕኩኹም፡ ኣይመለስኩምን፡ ተዛረብኩ፡ ጽን ድማ ኣይበልኩምን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ደኣ እከይ ገበርኩም፡ ነቲ ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሐሪኹም ኢኹም እሞ፡ ኣነ ንሰይፊ እምድበኩም፡ ኲላትኩምውን ንማሕረዲ ኽትጒምበሱ ኢኹም።
13 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሰትዩ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሕጐሱ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሐፍሩ ኢኹም።
14 እንሆ፡ ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ፡ ንስኻትኩም ግና ብጓሂ ልቢ ኽትግዕሩ፡ መንፈስኩም ስለ እተሰባበረ ኸኣ፡ ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም።
15 ስምኩም ድማ ኣብቶም ሕሩያተይ ንመራገሚ ኽትሐድጉ ኢኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪቐትለካ እዩ፡ ንባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ኪሰምዮም እዩ፡
16 እቲ ናይ ቀደም ጸበባ ተረሲዑ፡ ካብ ኣዒንተይ ድማ ተሰዊሩ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ኣብ ምድሪ ዚባርኽ፡ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚባርኽ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዚምሕል ከኣ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚምሕል።
17 እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪሕሰብን እዩ።
18 ግናኸ እንሆ፡ የሩሳሌም ንእልልታ፡ ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ፡ በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ።
19 ኣነ ድማ ብየሩሳሌም እልል ክብል፡ ብህዝበይውን ደስ ኪብለኒ እዩ፡ ድምጺ ብኽያትን ድምጺ ኣውያትን ድሕርዚ ኣብኣ ኣይኪስማዕን እዩ።
20 ሚእቲ ዓመት ገይሩ ዚመውት ብንእስነቱ ይመውት፡ ሓጢኣተኛ ኸኣ ሚእቲ ዓመት ምስ ገበረ እዩ ዚርገም እሞ፡ ድሕርዚ ሓጺር ዝዕምሩ ሕጻንን ዕድሚኡ ዘየብጽሔ ኣረጊትን ኣይኪርከብን እዩ።
21 ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።
22 ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን፡ ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።
23 ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም፡ ተርፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ፡ ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን፡ ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።
24 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከይጸውዑ ኽመልስ፡ ገና ኺዛረቡ ኸለው ኸኣ ክሰምዕ እየ።
25 ተዂላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ እዮም፡ ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ፡ ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ። ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን ኣይኬጥፍኡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ?
2 ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።
3 እቲ ብዕራይ ዚሐርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ፡ እቲ ገንሸል ዚስውእ ከምቲ ንኽሳድ ከልቢ ዚሰብር እዩ፡ እቲ ንመስዋእቲ ብልዒ ዜቕርብ ከምቲ ደም ሓሰማ ዚስውእ እዩ፡ እቲ ዕጣን ዚዐጥን ከምቲ ንጣኦት ዜመስግን እዩ። እወ፡ መገድታት ርእሶም ሐረዩ፡ ነፍሶም ድማ ብጽያፎም ባህ በላ።
4 ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩ፡ ባህ ዘየብለኒውን ሐረዩ እምበር፡ ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።
5 ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እቶም ዚጸልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዚሰጉኹምን ኣሕዋትኩም፡ ሓጐስኩም ምእንቲ ኽንርእስ፡ እግዚኣብሄር ይኽበር፡ ይብሉ፡ ግናኸ ኪሐፍሩ እዮም።
6 ድምጺ ታዕታዕ ካብ ከተማ፡ ድምጺ ኻብ ቤት መቕደስ ይስማዕ ኣሎ፡ ድምጺ እቲ ንጸላእቱ ፍዳ ዚፈዲ እግዚኣብሄር እዩ።
7 ቅልውላው ከይሐዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት።
8 ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ? ከምዚ ዝበለኸ መን ረኣየ? ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ? ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ? ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት።
9 ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ? ይብል ኣምላኽኪ።
10-11 ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግብን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ።
12 እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ፡ ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም።
13 ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም።
14 ልብኹም ከኣ እዚ ርእዩ ኺሕጐስ እዩ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ከም ዚጥጥዕ ሳዕሪ ሓይሊ ኺውስኽ እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንባሮቱ ኽትፍለጥ እያ፡ ንጸላእቱውን ኪቚጥዖም እዩ።
15 ኲራኡ ብነድሪ፡ መግናሕቱ ኸኣ ብሃልሃልታ ሓዊ ኺፈዲ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኺመጽእ እዩ፡ ሰረገላታቱውን ከም ህቦብላ ኪዀና እየን።
16 እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ስጋ ዝለበሰ ብሓውን ሰይፍን ኪፈርዶ እዩ እሞ፡ እቶም እግዚኣብሄር ዚቐትሎም ብዙሓት እዮም።
17 እቶም ደድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ናብ ኣታኽልቲ ኪኸዱ ንነፍሶም ዚቕድሱን ዜጽርዩን፡ ስጋ ሓሰማን ፍንፋንን ኣናጹን ዚበልዑ ዂሎም ብሓደ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ኣነ ግብሮምን ሓሳቦምን እፈልጥ እየ፡ ኲሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመጽእ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ኪመጹን ክብረተይ ኪርእዩን እዮም።
19 ኣባታቶም ከኣ ትእምርቲ ኽገብር እየ፡ ነቶም ካባታቶም ዘምለጡ ናብ ኣህዛብ፡ ናብቶም መንትግ ዚውርውሩ ሰብ ተርሲስን ፋልን ሉድን ናብ ቱባልን ያዋንን፡ ናብተን ወረይ ዘይሰምዓ፡ ክብረይ ከኣ ዘይረኣያ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኽ እየ፡ ንሳቶም ድማ ክብረይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪነግሩ እዮም።
20 ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፡ ብጽሩይ ኣቕሓ ገይሮም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ፡ ንዂሎም ኣሕዋትኩም ድማ፡ መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፡ በፍራስን ብሰረገላታትን ብቓሬዛታትን በባቕልን ብፈጠናት ኣግማልን ካብ ኲሎም ኣህዛብ ናብቲ ቅዱስ ከረነይ ናብ የሩሳሌም ኬምጽእዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
21 ካህናትን ሌዋውያንን ዚዀነ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
22 ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
23 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
24 ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለው ኺርእዩ እዮም፡ ሓሰኻኦም ኣይኪመውትን፡ ሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዂሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...