ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ኢዮኤል (Joel)

ብዛዕባ መጽሓፍ ዮኤል እቲ ቐንዲ ነጥቢ ድሕነት ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ክመጽእ ዝኽእል እቶም ህዝቢ ናብ ያህወህ ምስ ተመልሱ ጥራይ ምዃኑ ኢዩ። (እቲ ህዝቢ ጓና ኣምላኽ የምልኽ ስለ ዝነበረ እዩ።) ሽዑ ምሕረት ኣምላኽ ኪረኽቡ ጥራይ ዘይኰነስ እታ ምድሪ እውን ክትጽምሉ እያ።

ትንቢተ ኢዮኤል (Joel)

1 ንዮኤል ወዲ ጴቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣
2 ኣቱም ኣረገውቲ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ዅላትኩምውን፣ ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ∶
3 እዚ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎም፣ ደቅኹም ከኣ ንደቆም፣ ደቆምውን ነቲ ዳሕራይ ወለዶ የዘንትዉሎም።
4 ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፣ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸኣ ጐደበ በልዖ፣ ካብ ጐደበ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።
5 ኣቱም ሰኸርቲ ንቕሑን ብኸዩን፣ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፣ እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ።
6 ቍጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበ፣ ኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፣ ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ ኣለዎ።
7 ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፣ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፣ ብጥራስ ቀንጠጦ፣ ደርበዮ፣ ጨናፍሩውን ጻዕደወ።
8 ከምታ ከሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩ።
9 መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፍኤ፣ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሐዝኑ ኣለዉ።
10 እኽሊ በሪሱ፣ ኰልዒ ወይኒ ነቒጹ፣ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፣ እታ ሃገር ባዲማ፣ ምድሪውን ትሐዝን ኣላ።
11 እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፣ ኣቱም ሓረስቶት፣ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፣ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፣ ዋይዋይ በሉ።
12 ተኽሊ ወይኒ ነቕጸ፣ ኦም በለስ ከኣ ቀምሰለ፣ ኦም ሮማንን ስየን ቱፋሕን ኵሉ ኣእዋም መሮርን ነቕጸ፣ እወ፣ ሓጐስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ።
13 መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተኸልኪሉ እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናት፣ ተዐጠቑን ብኸዩን፣ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፣ ዋይዋይ በሉ፣ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ንዑ፣ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ።
14 ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።
15 መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፣ ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ፣ ኣየ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ።
16 ምግቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንና፣ ሓጐስን ደስታን ከኣ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኰነን∶
17 እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኵሉ መሽመሸ ፣ እኽሊ ሀጕጉ እዩ እሞ ቈፋፉ ባዶ ዀነ፣ መዓኽንውን ፈረሰ።
18 ኣየ፣ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እተን መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፣ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ ኣለዋ።
19 ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ ኤእዊ ኣሎኹ።
20 ወሓዚ ማያት ነጺፉ፣ ነቲ መጓሰዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፣ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ።

1 መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ ኣላ፣ ቀሪባ ኸኣ እያ እሞ፣ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኣእውዩ፣ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።
2 መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን፣ መዓልቲ ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ከም ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይዝርጋሕ። ዓብይን ሓያልን ህዝቢ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኡ ዝበለ ዘይነበረ፣ ድሕሪኡውን ክሳዕ ዓመታት ወለዶ ዚሐልፍ ከቶ ዘይኸውን።
3 ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፣ ኣብ ድሕሪኡ ሃልሃልታ ሞዅ የብል። እታ ሃገር ኣብ ቅድሚኡ ኸም ገነት፣ ኣብ ድሕሪኡ ኸኣ ጸምጸም በረኻ እያ፣ ካብኡ ዜምልጥውን የልቦን።
4 ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፣ ከም ፈረሰኛታት ይጐዩ።
5 ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድዋዕዋዕ ዚብል ሰረገላታት፣ ከምቲ ሓሰር ኪውሕጥ ከሎ ጥዋዕዋዕ ዚብል ሃልሃልታ ሓዊ፣ ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።
6 ኣብ ቅድሚኦም ህዝብታት ይጭነቑ፣ኵሉ ገጽ ይጽልም።
7 ከም ጀጋኑ ይጐዩ፣ ከም ዚዋግኡ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡ፣ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሐልፍ ካብ መገዶም ኸኣ ኣየግልሱን።
8 ንብጻዩ ዚደፍእ የልቦን፣ ነፍሲ ወከፍ በብመገዱ ይሐልፍ፣ ናብ ማእከል ኣጽዋር ይኣትዉ ኣይቈስሉን ከኣ።
9 ናብታ ኸተማ ይወሩ፣ ኣብ ቀጽሪ ይጐዩ፣ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፣ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ።
10 ምድሪ ኣብ ቅድሚኦም ራዕራዕ ትብል፣ ሰማያት የንቀጥቅጥ፣ ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፣ ከዋኽብቲ ከኣ ብርሃኖም ይኽውሉ።
11 ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ፣ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከኣ ሓያል እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጺ የስምዕ። እወ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን ኣያ፣ መንከ ኺጽመማ ይኽእል፣
12 እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
13 ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፣ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፣ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፣ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፣ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
14 ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ዀነ፣ ድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዚሐድግ እንተ ዀነ፣ መን ይፈልጥ∶
15 ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ።
16 ህዝቢ ኣክቡ፣ ማሕበር ቀድሱ፣ ኣረገውቲ ኣክቡ፣ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉን ኣክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእ፣ መርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ።
17 እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን ይብከዩ ይበሉውን፣ ዎ እግዚኣብሄር ንህዝብኻ ንሐፎ፣ ነቲ ርስትኻ፣ ኣህዛብ ኪገዝእዎ ኢልካ፣ ንመላገጺ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። ስለምንታይከ ኣብ ኣህዛብ፣ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ፣ ዚበሀል∶
18 እግዚኣብሄር ንሃገሩ ቐንኤ፣ ንህዝቡ ኸኣ ራሕርሔ።
19 እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ በሎውን፣ እንሆ፣ ኣነ፣ እኽልን ወይን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፣ ብእኡ ኸኣ ክትጸግቡ ኢኹም፣ ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት መላገጺ ኣይክገብረኩምን እየ።
20 ነቲ ሰሜናዊ ካባኻትኩም ከርሕቖ፣ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ባሕሪ፣ ዝባኑ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ እዩ ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፣ ምብድባዱ ኺወጽእ፣ ምምሽማሹ ድማ ኪድይብ እዩ።
21 ኣቲ ሃገር እግዚኣቢሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ እሞ ኣይትፍርሂ፣ ተሐጐሲ ባህውን ይበልኪ።
22 እቲ እንስሳ መሮር፣ እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፣ ኦም ፍሪኡ ይፈሪ፣ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከኣ ሓይሉ ይህብ ኣሎ እሞ፣ ኣይትፍርሁ።
23 ኣቱም ደቂ ጽዮን፣ ዝናም ጽድያ ብልክዕ ይህበኩም፣ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ከም ቀደሙ የውርደልኩም ኣሎ እሞ፣ ተሐጐሱ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባህ ይበልኩም።
24 ኣዕውዲ ኸኣ እኽሊ ኺመልእ፣ መጽመቝታትውን ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ።
25 ኣነ ኸኣ ኣቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ጐደበን ሓሰኻን፣ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዔን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ
26 መብልዕ ክትበልዑ ክትጸግቡውን ኢኹም፣ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሐንኽን።
27 ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘሎኹ፣ ኣነ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፣ ብጀካይ ድማ ካልእ ከም ዜልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም፣ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሐንኽን።
28 ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።
29 በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።
30 ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ።
31 እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፣ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፣ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።
32 ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፣ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ: ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኹሉ ኺድሕን እዩ::

1 እንሆ ኸኣ፣ በተን መዓልታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቲአንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም፣
2 ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ እተማቐልዋ ኣህዛብ፣ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኺኣቱስ፣ ንዅሎም ህዝብታት ክእክቦም፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ።
3 ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉ፣ ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቘልዓ ሀቡ፣ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ ሰተዩ ኸኣ።
4-6 ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፣ ምሳይ እንታይ ኣሎኩም∶ ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም፣ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከኣ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፣ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ የሩሳሌምን ከኣ ካብ ዶቦም ከተርሕቕዎምሲ፣ ናብ ደቂ ዮናናውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፣ ፍዳዶ ክትፈድዩኒ ኢኹም∶ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፣ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
7 እንሆ፣ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፣ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
8 ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፣ ናብ ሰብ ሳባ ኺሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ትዛሪብዎ እዩ።
9 እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውጁ፣ ውግእ ኣዳልዉ፣ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፣ ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፣ ይውጽኡ።
10 ማሕረሻኹም ሰይፊ፣ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፣ ኣነ ጅግና እየ፣ ይበል።
11 ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኵልኹም ህዝብታት፣ ቀልጥፉ፣ ንዑ ተኣከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብኡ ጀጋኑኻ ኣውርዶም።
12 ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፣ ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ፣ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡ።
13 እከዮም ስለ ዝዐበየ፣ ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፣ ማዕጺድ ስደዱ፣ እቲ መጽመቝ መሊኡ፣ ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ ኣሎ እሞ፣ ንዑ ርገጹ።
14 መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፣ ጭፍራ፣ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ።
15 ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ፣ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ።
16 እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፣ ድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕ፣ ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ፣ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ።
17 ኣነ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፣ ክትፈልጡ ኢኹም። የሩሳሌም ከኣ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይኪሐልፍዋን እዮም።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኪነትዑ፣ ኵርባታት ድማ ጸባ ኬውሕዙ፣ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍል፣ ንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ።
19 ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፣ ብሰሪ እቲ ንደቂ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻ፣ ግብጺ ኽትባድም፣ ኤዶም ከኣ ጽምጽም በረኻ ኽትከውን እያ።
20 ይሁዳ ግና ንዘለኣለም ትነብር፣ የሩሳሌም ከኣ ንውሉድ ወሎዶ።
21 ኣነ ድማ ነቲ ዘየጽሬኽዎ ደሞም ከጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...