ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ዕንባቆም (Habakkuk)

መጽሓፍ ኣንባቆም ኣብ ልዕሊ ብልሹዋት ኣህዛብ ብዛዕባ ዚወርድ ፍርዲ ዜጠንቅቕ ካልእ ትንቢታዊ መጻሕፍቲ ዘይኰነስ እኩብ እኩብ ጓሂ ነብዪ እያ። ኣንባቆም ኣብ ዓለም ብዙሕ ማህሰይቲ እከይ ከምኡውን ዘሕዝን ፍጻመ ስለ ዝረኣየ ንሰናይ ኣምላኽ ኣብ ሕቶ የእትዎ ኢዩ።

ትንቢተ ዕንባቆም (Habakkuk)

1 ኣንባቆም 1፡1 ፦
2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፣ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ∶ ኣነ፣ ዓመጽ፣ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣየድሐንካን።
3 ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፣ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት∶ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ባእስን ክርክርን ይለዐል ኣሎ።
4 ስለዚ ሕጊ ደኸመ፣ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፣ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ ኣሎ።
5 እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይተኣምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርኣዩን ጠምቱን፣ ተገረሙ ተደነቑውን።
6 እንሆ፣ ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ፣ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ።
7 ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም፣ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ።
8 ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፣ ካብ ቶዅላ ምሸት ይፈጥኑ፣ ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ፣ ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፣ ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ።
9 ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ፣ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፣ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ።
10 ንነገስታት የላግጹሎም፣ መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣ መሬት ይእክብ፣ ይወስዶ ኸኣ።
11 ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ፣ ንኽንየው ይሐልፍ፣ በዳሊ ኸኣ ይኸውን፣ ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።
12 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ቅዱሰይን፣ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኰንካን ∶ ንሕና ኣይንመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፣ ኣታ ኸውሒ፣ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም።
13 ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፣ ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኰነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም∶ ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ካብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል።
14 ከምይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዜብሎም ለመምታን እትገብሮም∶
15 ንዅላቶም ብመቝለብ ኣውጽኦም፣ ብመርበቡ ሰሐቦም፣ ብመግፈፊኡ ድማ ኣከቦም፣ ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል።
16 ስለዚ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፣ ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዐጥን ኣሎ፣ እዚኸኣ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ፣ ምግቡውን ስለ ዝጠዐመሉ እዩ።
17 ስለዚዶ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ∶ ኵሉ ጊዜዶኸ ንህዝብታት ብዘይ ምሕረት ኪቐትል እዩ∶

1 ብዛዕባ እቲ ኽትዔይ ንሱ እንይታ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተጠንቂቐ ኽርእስ፣ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል፣ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ።
2-3 እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ ኣሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጕየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
4 እንሆ፣ ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኣውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር።
5 ወይኒ ኸኣ መጋገዪ እዩ፣ እቲ ዕቡይ ሰብ ኣብ ስፍራኡ ኣይሀድእን፣ ነፍሱ ኸም ሲኦል የግፍህ፣ ከም ሞት እዩ እሞ ኣይጸግብን፣ ንዅላቶም ኣህዛብ ናብኡ ይእክቦም፣ ንዅላቶም ህዝብታት ከኣ ናብኡ ይኣካኽቦም።
6 እዚኣቶም ኵላቶም፣ እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፣ ኣብ ረእሱ ኸኣ ዕርቡን ዚጸውር ወይለኡ፣ ክሳዕ መኣዝከ እዩ∶ እናበሉ ብምስላን ብምሳሌ ጸርፍንዶ ኣየልዕልዎን እዮም∶
7 እቶም ዚነኽሱኻዶ ብድንገት ኣይትንስኡን∶ እቶም ዚንዝንዙኻስ ኣይነቕሑንዶ እዮም∶ ንስኻውን ዘመቲኦም ክትከውን ኢኻ።
8 ንስኻ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፣ እቶም ዝተረፉ ህዝብታት ድማ ኵላቶም ንኣኻ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን ኪዘምቱኻ እዮም።
9-11 እምኒ ካብ መንደቕ ኬእዊ፣ እቲ መጋጠሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኺመልሰሉ እዩ እሞ፣ እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል፣ ካብ ኢድ መዓት ከኣ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ ወይለኡ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላ፣ ንነፍስኻውን ሓጣእካ።
12-14 ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባህሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፣ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፣ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፣ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፣ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን∶
15-17 ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን፣ እቲ ንሊባኖስ ዝዐመጽካያን እቲ ንእንስሳታት ዜስክሕ ጥፍኣት ዝገበርካዮን ኬጐልብበካ እዩ እሞ፣ እቲ ንብጻዩ ዜስትዮን፣ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወይለኡ። ንስኻ ድማ ስተ፣ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፣ እቲ ጽዋእ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፣ ኣብ ሊዕሊ ኽብርኻ ድማ ነውራም ትፉእ ኪዀነካ እዩ።
18 እቲ ቐራጺኡ ዚቐርጾ ቕሩጽ ምስልስ እንታይ ይጠቅም∶ እቲ ዓያዪ ዓባስ ጣኦታት ገይሩ ብዕዮኡ ዚእመንከ እቲ ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትን እንታይ ይጠቅም∶
19 እቲ ንዕጨይቲ፣ ንቓሕ፣ ንዓባስ እምኒ ኸኣ፣ ተንስእ፣ ዚብል ወይለኡ። ንሱዶ ይምህር እዩ∶ እንሆ፣ ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ልቡጥ እዩ።
20 ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፣ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።

 

1 ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብሺግዮኖት።
2 ዎ እግዚኣብሄር፣ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፣ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ፣ ብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክር።
3 እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፣ እቲ ቅዱስ ከኣ ካብ ከረን ፋራን መጸ። ሴላ። ክብረቱ ሰማያት ከደነ፣ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት።
4 ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፣ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፣ ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤ።
5 ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደ፣ ረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ።
6 ደው በለ፣ ንምድሪውን ለክዓ፣ ጠመተ፣ ነህዛብ ከኣ ኣንቀጥቀጦም፣ እቶም ዘለኣለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፣ እቶም ጥንታውያን ኵርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፣ መገድታቱ ካብ ዘለኣለም እዩ።
7 ድንኳናት ኢትዮጵያ ኺጭነቑ ኸለዉ ርኤኽዎም፣ መጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡ።
8 እግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቘጢዕዎ እዩ∶ በፍራስካ፣ ንባይ ምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲ፣ ኵራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፣ ቍጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ዀይኑ እዩ∶
9 ከምቲ ብቓልካ ዝመሐልካዮ፣ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትኻ ገተርካሎም። ሴላ። ንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ።
10 እቶም ኣኽራን ረኣዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፣ ሞገድ ማያት ሐለፈ፣ መዓሙቝ ድምጺ ኣስምዔ፣ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ።
11 ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቈማ፣ ብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኵናትካን ከዱ።
12 ንምድሪ ብዅራ ሐለፍካያ፣ ነህዛብ ብቝጥዓ ኣኼድካዮም።
13 ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፣ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካ፣ ርእሲ ቤት ረሲእ ጨፍለቕካ። ሴላ።
14 ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኵናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኪብትኑኒ መጹ፣ ሓጐሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ።
15 ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፣ ነቲ ዅምራ ዓበይቲ ማያት ረገጽካዮ።
16 ሰማዕኩ፣ ከብደይ ከኣ ኣንቀጥቀጠ፣ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ፣ ቍንቍነ ኣብ ኣዕጽምተይ ኣተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ።
17 ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፣ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፣ ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፣ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን።
18 ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፣ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።
19 እግዚኣብሄር፣ እቲ ጐይታ፣ ሓይለይ እዩ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ።

 

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...