ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ዮናስ (Jonah)

ኣምላኽ ንዮናስ ካብ ትእዛዝ ጐይታ ዘምለጠ ህውከት ዝመልኦ ነብዪ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ እዚ ነብዪ እዚ ኸኣ ብዓብይን ብዓሳን ሓራ ወጺኡ ንንስሓ ነነዌ ሞሬቶ ናብታ እክይቲ ኸተማ ነነዌ ነብዪ ኪኸውን ከሎ ዮናስ ግን ዓለወ እሞ ናብ ስግር ባሕሪ ሃደመ። ኣምላኽ ንዮናስ ደው ኬብሎ ኢሉ ማዕበል ምስ ሰደደ እቲ ነብዪ ተደርበየ። ኣምላኽ ንዮናስ ምእንቲ ኺሕግዞ ዓሳ ሰደደ፣ ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ መዝሙር ምስጋና ዘመረ። እቶም ዓሳ ንዮናስ ኣብ ገምገም ነነዌ ይፍንውዎ ኣምላኽ ድማ ንዮናስ ካልኣይ ሳዕ ጸውዖ። ዮናስ ናብ ነነዌ ኸይዱ ሰበኸ ብምልእታ እታ ኸተማ ኸኣ ተነስሐት። ድሕሪኡ ዮናስ ካብ መጀመርታኡ ዝሃደመሉ ምኽንያት ኣምላኽ ነታ ኸተማ ኸም ዚምሕራን ዮናስ እታ ኸተማ ኽትጠፍእ ከም ዚደልን ስለ ዝፈለጠ ምዃኑ ተኣመነ።

ትንቢተ ዮናስ (Jonah)

1-2 ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፣ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማ፣ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዮቡ እዩ እሞ፣ ኣንጻሮም ኣውጅ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ።
3 ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፣ ናብ ያፋ ኸኣ ወረደ፣ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፣ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።
4 እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፣ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ።
5 እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁ፣ ነፍሱ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኺፈዅሰሎም ከኣ፣ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ደቂሱ ነበረ።
6 እቲ ሓለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፣ ኣታ ደቃሲ፣ እንታይ ትገብር ኣሎኻ ተንስእ፣ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ ሐሰበናስ፣ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል፣ በሎ።
7 ንሓድሕዶም ድማ፣ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ፣ ንዑ ዕጭ ነውድቕ፣ ተባሃሀሉ። ዕጭ ኣውደቑ፣ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት።
8 ሽዑ ንሳቶም፣ ንገረና ዀታ፣ እዚ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ∶ ዕዮኻ እንታይ እዩ∶ ካበይከ መጻእካ∶ ኣየናይ እዩ ሃገርካ∶ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ∶ በልዎ።
9 ንሱ ኸኣ፣ ኣነ እብራዊ እየ፣ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን እፈርሆ እየ፣ በሎም።
10 ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሀደመ፣ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፣ ፈለጡ፣ ዓብዪ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፣ ስለምንታይ ደኣ እዚ ገበርካ∶ ከኣ በልዎ።
11 እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፣ ንሳቶም፣ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካ∶ በልዎ።
12 ንሱ ድማ፣ እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም፣ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፣ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ፣ በሎም።
13 እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኺምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ፣ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኰነሎምን።
14 ሽዑ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንልምነካ ኣሎና፣ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፣ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር፣ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።
15 ንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፣ እቲ ባሕሪ ከኣ ካብ ምንዋጽ ሀድኤ።
16 እቶም ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ፣ መብጽዓውን ተማባጽዑ።

1 እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።
2 ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ።
3 በለ ድማ፣ ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፣ ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ።
4 ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፣ ናብ ልቢ ባሕሪ፣ ደርቤኻኒ፣ ወሓይዝ ከበበኒ፣ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሐለፈ
5 ኣነ ኸኣ በልኩ፣ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፣ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ።
6 ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፣ መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፣ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ።
7 ናብ መሰረት ኣኽራን ወረድኩ፣ መሃርሃሪታት ምድሪ ንሓዋሩ ኣብ ልዕለይ ኰነ፣ ግናኸ ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጻእካያ።
8 ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፣ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፣ ጸሎተይ ናባኻ፣ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ።
9 እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ፣ ጸጋኦም ይሐድጉ።
11 እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፣ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።

1-2 ንዮናስ፣ ተንስእ፣ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማ፣ ኪድ፣ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከኣ ኣውጀላ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ።
3 ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፣ ናብ ነነዌውን ከደ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ፣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ።
4 ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፣ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ።
5 ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመኑ፣ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ።
6 እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንስኤ፣ ባርኖሱ ቐንጠጠ፣ ክሻ ተኸድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ።
7 ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ተኣወጀ፣ ሰብ ወይስ እንስሳ፣ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ፣ ኣይውፈራ፣ ማይውን ኣይስተያ፣
8 ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፣ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ።
9 ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፣ ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰን፣ መን ይፈልጥ∶
10 ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፣ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገብሮን ከኣ።

1 ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዮ ኣጕሀዮ፣ ኰረየውን።
2 ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ በለ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ እልምነካ ኣሎኹ፣ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዎስ እዚዶ ኣይኰነን∶ መሓርን ርሕሩሕን ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐሰሉን ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ስለ ዝፈለጥኩ፣ ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሀደምኩ።
3 ዎ እግዚኣብሄር፣ እምብኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ፣ እልምነካ ኣሎኹ፣ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ።
4 እግዚኣብሄር ድማ፣ ብምዅራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር ኣሎኻ∶ በለ።
5 ዮናስ ከኣ ካብታ ኸተማ ወጸ፣ ኣብ ወገን ምብራቕ እታ ኸተማውን ተቐመጠ። ኣብኣ ንርእሱ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ ድማ፣ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ጽላል ተቐመጠ።
6 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ፣ ጕልዒ ኣዳለወ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዕበያ። ዮናስውን በታ ጕልዒ ኣዝዩ ተሐጐሰ።
7 ግናኸ ንጽብሒቱ ምስ ወግሔ፣ ኣምላኽ ሓሰኻ ኣዳለወ፣ ንሱ ኸኣ ነታ ጕልዒ ወቕዓ እሞ ነቐጸት።
8 ጸሓይ ምስ በረቐት ድማ፣ ኣምላኽ ውዑይ ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፣ ጸሓይ ከኣ ንዮናስ፣ ክሳዕ ዜሕለሉ፣ ርእሱ ወቕዓቶ፣ ንሱውን፣ ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ፣ ኢሉ ንነፍሱ ሞት ለመነላ።
9 ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ፣ በታ ጕልዒ ኽትቍጣዕዶ ይግብኣካ እዩ∶ በሎ። ንሱ ድማ፣ ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ፣ በለ።
10 እግዚኣብሄር ከኣ በሎ፣ ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን፣ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጕልዒ ጕሂኻ።
11 ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፣ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ፣ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ∶

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...