ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ኦሪት ዘሌዋውያን (Leviticus)

ኣብ ብምሉኡ ዘሌዋውያን እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ተቐሚጦም ኪነብሩ ኸለዉ ኣምላኽ ኣብ ድንኳን ኣኼባ ቐሪቡ ንሙሴ ብዛዕባ ጽምብል ኣይሁድ እንታይ ከም ዝበለ ነገሮ ። እቲ ሕግታት ንዅሉ መዳያት ሃይማኖታዊ መስዋእትታት ብኸመይን መዓስን ንኣምላኽ ከም ዝቐርብ ዝገልጽ ኢዩ። ኣምላኽ ነዚ ስጕምትታት እዚ ባዕሉ እዩ ዚህቦ ። ኣሮንን ደቁን ካህናት እስራኤል ኰይኖም ኪቐብኡ ኸለዉ ዜርኢ ሓጺር ስእሊ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ መጺኡ ነቲ መሰውኢ ብሃልሃልታ ሓዊ ኣጥለቕለቆ እቶም ህዝቢ ድማ ብሓጐስ ፍንጭሕ በሉ። ድሕሪኡ ክልተ ደቂ ኣሮን ከምቲ ኣምላኽ ዝሓሰቦ ናብቲ መሰውኢ ዚቐርቡሉ ግቡእ ህንጸት ኪሰርሑ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ኣምላኽ ሓዊ ሰዲዱ ቐተለ ።

ኦሪት ዘሌዋውያን (Leviticus)

1 እግዚኣብሄር ንሙሴ ጸውዖ፡ ካብቲ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፥ ካባኻትኩም ሰብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ማል፡ ካብ ኣሓን ካብ ጤለበጊዕን ኣቕርቡ።
3 እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኻብ ኣሓ እንተዀነ፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ የቕርብ፡ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍትዊ ኪኸውን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ።
4 ኣብ ርእሲ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኢዱ የንብር እሞ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን።
5 ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ የቕርብዎ፡ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
6 ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ቈርበቱ ጠቢሑ፡ በብኽፍሉ ይቚረጾ።
7 ደቂ ኣሮን፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጐዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ።
8 እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ኽፍልታት፡ ርእስን ስብሕን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይሰርዕዎ።
9 ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ እሞ እቲ ኻህን ንዂሉ ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ንመስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ።
10 እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ንዚሐርር መስዋእቲ የቕርቦ።
11 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ንመሰውኢ ብሸነኽ ሰሜኑ፡ ይሕረዶ። እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
12 በብኽፍሉ ምስ ርእስን ስብሑን ይቚረጾ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዓዮ።
13 ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ እቲ ኻህን ድማ ንዂሉ የቕርቦ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ። እዚ ዚሐርር መስዋእቲ። መስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
14 እቲ ንእግዚኣብሄር ዚስውእ ዚሐርር መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨጨዊት ርግቢ መስዋእቱ የቕርብ።
15 እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ይጥወዮ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ፡ እቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይጸመቚ።
16 ጭንጭራኡ ምስናይ ፈርሱ ናብ ጎቦ መሰውኢ ብሸነኽ ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓመዂስቲ ይደርብዮ።
17 በኽናፉ ይጭደዶ፡ ግናኸ ኣይፈላልዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ የሕርሮ፡ እዚ ዚሐርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

1 ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ ምስ ዜቕርብ፡ እቲ መስዋእቱ ኻብ ድኹም ሓርጭ ይኹን፡ ዘይቲ ይኽዐወሉ፡ ዕጣንውን ይግበሩሉ።
2 ናብ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ፡ ምስ ኲሉ እቲ ዕጣኑን ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
3 እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተሰውኤ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
4 መስዋእቲ ብልዒ ኣብ እቶን ካብ እተሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ዘይበዂዔ ቅጫታትን ዘይቲ እተለኸየ፡ ዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቅጫታትን ይኹን።
5 መስዋእትኻ ኣብ መቚሎ ኻብ እተሰንከተ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ዘይበዂዔ ይኹን።
6 ቈራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኽዐወሉ፡ ንሱ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
7 መስዋእስትኻ ኣብ ቊራዕ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እንተ ዀነ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገበር።
8 እቲ ኻብዚ ነገርዚ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣምጽኣዮ፡ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፡ ንሱ ኸኣ ናብ መሰውኢ የቕርቦ።
9 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
10 እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
11 እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኰነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ።
12 ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፡ ግናኸ ከም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይገበር።
13 ንዂሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ብጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉ፡ ኣብ ኲሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ።
14 ካብ በዂሪ ፍርያት ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ እንተ ኣቕረብካ፡ ካብ በዂሪ ፍርያትካ ልምሉም እተበቈጸ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት ንመስዋእቲ ብልዒ ኣቕርብ።
15 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኽዐወሉ ዕጣንውን ግበረሉ። እዚ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
16 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኲሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።

1 መስዋእቱ ድማ መስዋእቲ ምስጋና እንተ ዀይኑ፡ እሞ ካብ ኣሓ እንተ ኣቕረበ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጐደሎ ዜብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ።
2 ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ የንብር፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸኣ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
3 ካብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዂሉ ስብሕን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ።
4 ድማ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን ነቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ይፍለ።
5 ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ የሕርርዎ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
6 እቲ ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዜቕርቦ መስዋእቱ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ዀይኑ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጐደሎ ዜብሉ የቕርብ።
7 ንመስዋእቱ ገንሸል እንተ ኣቕረበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
8 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
9-10 ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ዀልኰሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ዀለሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ።
11 እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
12 መስዋእቱ ጤል እንተ ዀይና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርባ።
13 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዳ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።
14-15 ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ዂሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ።
16 እቲ ኻህን ድማ ነዚ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እንጌራ መስዋእቲ ሓዊ ንጥዑም ጨና እዩ። ኲሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
17 እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፥ ስብሒ ዘበለን ደም ዘበለን ኣይትብልዑ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
2 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ሓደ ሰብ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ ብዘይ ፍልጠት ሓጢኣት እንተ ገበረ፡
3 እቲ እተቐብኤ ኻህን እንተ ዀይኑ ሓጢኣት ዝገበረ፡ እሞ በዚ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገበሮ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጐደሎ ዜብሉ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።
4 ነቲ ዝራብዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽኣዮ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ።
5 እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ።
6 እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
7 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምኡዝ ዕጣን ይግበር። ኲሉ ደም እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።
8 ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኲሉ ስብሒ፥ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን የልዕል፡
9 ድማ ክልቲኤን ኲሊትን እቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል፡
10 ከምቲ ኻብ ዝራብዕ መስዋእቲ ምስጋና ዚለዐል፡ ነዚ እቲ ኻህን ኣብ መሰውኢ ምሕራር የሕርሮ።
11 ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኲሉ ስጋኡን ምስናይ ርእሱን መሓውሩን ናውቲ ኸብዱን ፈርሱን፡
12 እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ጽርይቲ ቦታ፡ ናብታ ሓመዂስቲ ዚጐሐፋ የምጽኣዮ። ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ገይሩ ብሓዊ የሕርሮ። ኣብታ ሓመዂስቲ ዚጐሐፋ ይሕረር።
13 ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኤል እንተ ሰሐተ፡ እቲ ነገር ከኣ ካብ ኣዒንቲ ማሕበር እንተ ተኸወለ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ዂሉ፡ ሓደ ብምግባሮም እንተ በደሉ፡
14 እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈለጠ፡ እታ ማሕበር ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፡ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ተምጽኣዮ።
15 እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፡ እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሐረድ።
16 እቲ እተቐብኤ ኻህን ድማ ካብ ደም ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ፡
17 እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ናብ ቅድሚ መጋረጃ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
18 ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።
19 ንኹሉ እቲ ስብሒ ድማ ካብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ።
20 እዚ ነቲ ዝራብዕ ይግበር፡ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከም ዝገበሮ፡ ነዚ ኸኣ ከምኡ ይግበሮ። ከምኡ እቲ ኻህን የተዐርቆም፡ ሽዑ ይሕደገሎም።
21 ነቲ ዝራብዕ ድማ ካብቲ ሰፈር ንወጻኢ የውጽኣዮ፡ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘሕርሮ፡ የሕርሮ። እዚ ናይቲ ኣኼባ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
22 ሓደ ሹም ከኣ ከይፈለጠ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ በዲሉ እንተ ሓጥኤ፡
23 እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ድማ እንተ ተፈለጦ፡ ንመስዋእቱ ኻብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዜብሉ ድቤላ የምጽእ።
24 ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ኸኣ ይሕረዶ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
25 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ይውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራርውን ይግበሮ። ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።
26 ንዂሉ እቲ ስብሑ ድማ፡ ከምቲ ንስብሒ መስዋእቲ ምስጋና ዚግበር፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።
27 ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓንቲ ነፍሲ፡ ከይፈለጠት ካብቲ እግዚኣብሄር፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞስ ሓደ ብምግባራ በዲላ እንተ ሓጥኤት፡
28 እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተፈለጦ፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ መስዋእቱ ጐደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ ጤል የምጽእ።
29 ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቦታ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ይሕረዳ።
30 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ በጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር፡ ንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዐዎ።
31 ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒ፡ ንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለ፡ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።
32 ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ገንሸል እንተ ኣምጽኤ ኸኣ፡ ጐደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ የምጽእ።
33 ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ።
34 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር። ንዀሉ ደማ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዐዎ።
35 ከምቲ ኻብ ገንሸል መስዋእቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒ፡ ንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለ እሞ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።

1 ሰብ፡ ቃል ማሕላ ሰሚዑ፡ ንሱ ብዝረኣዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኰይኑ እንተ ዘይገለጾ፡ ብእኡ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ በደሉ ይጸውር።
2 ወይ ሓደ ኸይፈለጠ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየ፡ ገምቢ ርኹስ ኣራዊት እንተ ዀነ፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ለመምታ፡ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ በዳሊ እዩ።
3 ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብ፡ ብዝዀነ ዜርክሶ ርኽሰት እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ በዳሊ እዩ።
4 ወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዚምሕል፡ ከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሐለ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ።
5 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ።
6 ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዐርቆ።
7 ንበጊዕ ዝኣክል ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።
8 ናብ ካህን የምጽኣየን፡ ንሱ ኸኣ ቅድም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት እትኸውን የቅርብ፡ ርእሳ ኸይፈለየስ፡ ካብ ጥቃ ኽሳዳ ይጥወያ።
9 ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይንጸግ፡ ነቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይጽመቆ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
10 ነታ ኻልአይቲ ኸኣ ከምቲ ስርዓት ዚሐርር መስዋእቲ ይግበራ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።
11 ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ግና፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፉ ድኹም ሓርጭ የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዐወሉ። ዕጣን ከኣ ኣይግበረሉ።
12 ናብቲ ኻህን ድማ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንመዘከርታ ኢዱ ምሉእ ወሲዱ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
13 ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ ንዝበደለ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። እቲ ዝተረፈ ድማ ከምቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ንኻህናት ይኹን።
14 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
15 ሰብ በደል እንተ በደለ፡ ብገለ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነገር ከይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጎሰ ኣባጊዕ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ ብሲቃላት ብሩር ዝገምገምካሉ፡ ጎደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምጽኣሉ።
16 በቲ ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሐስ፡ ሓምሳይ ኣፍ ከኣ ይወስኸሉ፡ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከኣ በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ድማ።
17 ሰብ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝአዘዞ ዂሉ ሓደ ብምግባሩ እንተ ሐጥኤ፡ ከይፈለጠ እኳ ኽነሱ በዳሊ እዩ እሞ፡ በደሉ ይጸውር።
18 ንመስዋእቲ በደል ከኣ ከም ገምጋምካ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዜብሉ ድዑል ናብ ካህን የምጽእ። ብዛዕባ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።
19 ርግጽ ንእግዚኣብሄር በዲሉ እዩ እሞ፡ እዚ መስዋእቲ በደል እዩ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
2 ሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞ፡ ወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝዐመጾ፡
3 ወይ ገለ ጥፉእ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ ኢሉ ብሓሶት ብምምሓሉ፡ ብሓደ ኻብ ዝዀነ ነገር ሰብ ሓጢኣት ብዝገበረሉ፡
4 ይኸውን ድማ፡ ሓጢኣት ብምግባሩ በዳሊ ምስ ኰነ፡ ንሱ እቲ ኸትሪ ዝኸተሮ፡ ወይ እቲ ዓመጽ ዝዓመጾ፡ ወይ ሕድሪ ዘንበረሉ፡ ወይ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡
5 ወይ ብዝዀነ ነገር ሐስዩ ዝመሐለሉ ይምለሶ፡ ብምሉኡ ይምለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። በታ መስዋእቲ በደሉ ዜቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።
6 ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ከም ገምጋምካ፡ ጐደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደሉ ንእግዚኣብሄር፡ ናብ ካህን የምጽእ።
7 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ፡ ካብ ዝዀነ ዝገበሮ ድማ ብእኡ በዳሊ ዝዀነ፡ ኪሕደገሉ እዩ።
8 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
9 ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ሕጊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ እዚ እዩ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዚነድድ ዕጨይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ይነበር፡ እቲ ሓዊ መሰውኢ ኸኣ ይንደድ።
10 እቲ ኻህን ቀምሽ ልሕጺ እንጣጢዕ ይከደን፡ ኣብ ስጋኡ ድማ ስረ ልሕጺ እንጣጢዕ ይግበር። ነቲ ሓመዂስቲ ናይቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ዝበልዖ፡ ሓፊሱ፡ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይግበሮ።
11 ደሓር ክዳውንቱ የውጽእ፡ ካልእ ክዳውንቲ ድማ ይከደን፡ ነቲ ሓመዂስቲ ኸኣ ካብቲ ሰፈር ኣብ ጽሩይ ቦታ የውጽኣዮ።
12 እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕጨይቲ የንድድ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የሕርር።
13 እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ።
14 ሕጊ መስዋእቲ ብልዒ ድማ እዚ እዩ፥ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ መሰውኢ የቕርብዎ።
15 ካብኡ፡ ካብቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ድኹም ሓርጭ ከኣ ኢዱ ምሉእ የልዕል፡ ካብ ዘይቱ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ብልዒ ዘሎ ዂሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ።
16 እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ከይበዂዔ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም ይብልዕዎ።
17 ብማይ ብሑቕ ኣይሰንከት። እዚ ኻብቲ ብሓዊ እተገብረ መስዋእተይ ዝሀብክዎም ግዲኦም እዩ። ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደል ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
18 ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝዀነ ዂሉ ይብልዓዮ። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም መሰሎም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝተንከዮ ይቀደስ።
19 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
20 ኣሮንን ደቁን በታ ዚቕብኣላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ እዚ እዩ፥ ንናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ፈረቓኡ ብጊሓት፡ ፈረቓኡ ኸኣ ምሸት።
21 ምስ ዘይቲ ኣብ መቕሎ ይሰንከት። ምስ ተቘምጥዔ ኸኣ ኣምጽኣዮ። ንእግዚኣብሄር፡ ንጥዑም ጨና ብሱል ቈረርስ ጌርካ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርበሉ።
22 እቲ ኻብ ደቁ ኣብ ስፍራኡ ዚቕባእ ካህን ድማ ከምኡ ይግበር። ንስርዓት ዘለኣለም ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይሕረር።
23 ኲሉ ናይ ካህን መስዋእቲ ብልዒ፡ ብምሉኡ ይሕረር፡ ኣይበላዕ።
24 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
25 ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፥ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሕረደላ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሐረድ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
26 እቲ ኻህን ብዛዕባ ሓጢኣት ዜቕርቦ፡ ይብልዓዮ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ።
27 ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝተንከዮ ይቀደስ። ካብቲ ደም ኣብ ገለ ኽዳን እንተ ነጠረ፡ ነቲ ዝነጠሮ ዘበለ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕጸቦ።
28 እቲ ዝበሰለሉ ቚራዕ ድማ ይሰበር፡ ኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸኣ፡ ይፈጒፈጕ ብማይውን ይተሐጸብ።
29 ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝዀነ፡ ይብልዓዮ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
30 መስዋእቲ ሓጢኣት ዘበለ ድማ፡ ካብ ደሙ ኣብ መቕደስ ንምትዕራቕ ናብ ድንኳን ምርኻብ ዚኣቱ፡ ብሓዊ ይንደድ እምበር፡ ኣይበላዕ።

 

1 ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዚ እዩ፥ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
2 ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሕረዱላ ቦታ ይሕረድዎ። ደሙ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸጎ።
3 ብዘሎ ስብሒ ኸኣ፡ ኰልኰሉን ቋንጡጡን፡
4 ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውጽጢ ዘሎ ስብሔንን፡ እቲ ኻብ ጥቓ ዀለሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡
5 እቲ ኻህን ነዚ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ንሱ መስዋእቲ በደል እዩ።
6 ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝዀነ፡ ይብልዓዮ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
7 እቲ መስዋእቲ በደል ከምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ፡ ንኽልቲኡ ሕጊ ሓደ እዩ፡ ናይቲ ብእኡ ዜተዐርቕ ካህን ይኹን።
8 እቲ ኻህን ናይ ማንም ዚሐርር መስዋእቲ ዜቕርቦ፡ ቈርበት እቲ ዘቕርቦ ዚሐርር መስዋእቲ ነቲ ኻህን ይኹን።
9 ኲሉ መስዋእቲ ብልዒ ድማ ኣብ እቶን ዝበሰለ፡ ኲሉ ኣብ ቊራዕን ኣብ መቕሎን እተገብረ፡ ነቲ ዜቕርቦ ኻህን ይኹን።
10 ኲሉ ዘይቲ እተሐወሶ ወይ ንቑጽ መስዋእቲ ብልዒ ንዂሎም ደቂ ኣሮን፡ ነቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ይኹን።
11 እቲ ንእግዚኣብሄር ዚቕረብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ሕጉ እዚ እዩ፥
12 ንምስጋና እንተ ኣቕረቦ፡ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘይቲ እተሐወሶ ዘይበዂዔ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበዂዔ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ድኹም ሓርጭ እተቘምጥዔ ዘይቲ እተሐወሶ ቕጫታትን የቕርብ።
13 እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ምስ ዝበዂዔ እንጌራ የቕርቦ።
14 ካብ ኲሉ እዚ መስዋእትታት ሓደ ግደ ንእግዚኣብሄር ዚለዐል መስዋእቲ የቕርበሉ። እዚ ነቲ ደም መስዋእቲ ምስጋና ዚነጽግ ካህን ይኹን።
15 ስጋ እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ በታ እተሰውኣላ መዓልቲ ይበላዕ፡ ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ብጊሓት ኣየትርፍ።
16 እቲ ዚቐርብ መስዋእቲ ናይ መብጽዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ዀነ ኸኣ፡ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፡ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንጽብሒቱ ይበላዕ።
17 ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና፡ ብሓዊ ይንደድ።
18 ካብቲ ስጋ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኰነን፡ ነቲ ዘቕረቦውን ከም ቊርባን ኣይቚጸረሉን፡ ፍንፉን ይኸውን። እታ ኻብኡ እትበልዕ ነፍሲ ኸኣ በደላ ትጸውር።
19 ርኹስ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕ፡ ብሓዊ ደኣ ይንደድ። ብዛዕባ ስጋ ግና፡ ንጹህ ዝዀነ ዂሉ ይብልዓዮ።
20 እታ ረኺሳ ኸላ፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና እትበልዕ ነፍሲ ድማ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።
21 ነፍሲ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየት፡ ርኽሰት ሰብ ወይ ርኹስ እንስሳ ወይ ዝዀነ ጽዩፍ ርኽሰት፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ እንተ በልዔት፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።
22 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
23 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ገለ ስብሒ፡ ናይ ብዕራይ ኰነ ወይ ናይ በጊዕ ወይ ናይ ጤል፡ ኣይትብልዑ።
24 ስብሒ ዝሐለቐትን ናይ ኣራዊት ዝቐተላን ንዝዀነ ውራይኩም ግበርዎ፡ ምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ።
25 ካብ ስብሒ እቲ እንስሳ፡ ካብኡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ዝበልዔት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።
26 ኣብ እትነብርዎ ዂሉ ኸኣ፡ ናይ ዑፍ ኰነ ናይ ማል፡ ደም ዘበለ ኣይትብልዑ።
27 ዝዀነ ደም ዝበልዔት ዘበለት ነፍሲ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።
28 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
29 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ፡ ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣልዒሉ ህያቡ ናብ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ።
30 ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ በእዳዉ የምጽኣዮ። እቲ ሓኸለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምውዝዋዝ ኪውዝወዝሲ፡ ስብሑን ሓከሊኡን የምጽኣዮ።
31 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሕርሮ፡ እቲ ሓኸለ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን።
32 ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም ንዚልዐል መስዋእቲ የማነይቲ እግሪ ነቲ ኻህን ሀብዎ።
33 ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደም መስዋእቲ ምስጋናን ስብሕን ዜቕርብ፡ የማነይቲ እግሪ ግዲኡ ትኹን።
34 ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ሓኸለ ምውዝዋዝን ዚልዐል እግርን ወሲደዮ እየ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንስርዓት ዘለኣለም ንኻህን ኣሮንን ንደቁን ሂበዮም ኣሎኹ።
35-36 በታ ኻህናት እግዚኣብሄር ኪዀኑ ዘቕረቦም መዓልቲ፡ በታ ዝቐብኦም መዓልቲ፡ ካብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል ክህብዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፡ ግደ ምቕባእ ኣሮንን ግደ ምቕባእ ደቁን እዚ እዩ። ንውሉድ ወለዶኦም ስርዓት ዘለኣለም እዩ።
37-38 በታ ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ኬቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ ሕጊ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕዳስን መስዋእቲ ምስጋናን እዚ እዩ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
2 ንኣሮን፡ ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልባስን ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን እቶም ክልተ ድዑልን እቲ መሶብ ቅጫን ውሰድ።
3 ንብዘሎ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣክቦ።
4 ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከበ።
5 ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባ፥ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ በለ።
6 ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም።
7 ቀምሽ ታሕቲ ድማ ኣእተወሉ፡ ቅናትውን ኣቐነቶ፡ ቀምሽ ላዕሊ ከዲኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ድማ ኣቐነቶ፡ ብእኡውን ኣብ ልዕሊኡ ኣትሐዞ።
8 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፡ ናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቱሚምን* ገበረሉ።
9 ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያውን ብሸነኽ ቅድሚት ብሊቃ ወርቂ፡ እቲ ቅዱስ ኣኽሊል፡ ገበረሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ።
10 ሙሴ ድማ ዘይቲ ቕብኣት ወሲዱ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዝነበረ ዂሉን ቀብኦ፡ ቀደሶ ኸኣ።
11 ካብኡ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሾብዓተ ሳዕ ነጸገ፡ ምእንቲ ኪቕድሶውን ንመሰውእን ንዂሉ ኣቓሑኡን ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቀብኦ።
12 ናብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብ ዘይቲ ቕብኣት ከዐወሉ፡ ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ።
13 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኸዲኑ ኸኣ ቅናውቲ ኣቐነቶም፡ መጠምጠምያታትውን ገበረሎም።
14 ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ።
15 ሐረዶ ድማ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በጻብዑ ለኸየ እሞ ነቲ መሰውኢ ኣንጽሆ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኸዐዎ፡ ንምትዕራቑ ድማ ቀደሶ።
16 ንዂሉ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዝነበረ ስብሕን ቋንጡጥ ከብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሔንን ወሰደ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ።
17 ነቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
18 ነቲ ድዑል ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።
19 ሙሴ ድማ ሐሪዱ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
20 ነቲ ድዑል ድማ በብኽፍሉ ቘራረጾ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቘረርጽን ነቲ ስብሕን ኣሕረሮ።
21 ነቲ ናውቲ ኸብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሐጸቦ። ሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ንጥዑም ጨና እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ዀነ። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ዀነ።
22 ነቲ ኻልኣይ ድዑል ከኣ፡ እቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ኣቕረበ፡ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።
23 ሙሴ ድማ ሐሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፡ ንኣሮን መስቈር የማነይቲ እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸዮ።
24 ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ሙሴ ኸኣ ካብቲ ደም ኣብ መስቈር የማኖት ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየ። ነቲ ደም ከኣ ሙሴ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
25 ነቲ ስብሕን ኰልኰልን ኲሉ እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ቛንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሔንን የማነይቲ እግርን ወሰደ።
26 ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበዂዔ እንጌራ ዝሐዘ መሶብ ድማ ሓደ ቕጫን ሓደ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ።
27 እዚ ዂሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ።
28 ሙሴ ድማ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ምቕዳስ ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኰነ።
29 ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብቲ ድዑል ምቕዳስ እዚ ግደ ሙሴ ገበረ።
30 ሙሴ ድማ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ነጸገ እሞ ንኣሮንን ነልባሱን ንደቁን ነልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ቐደሰ።
31 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን በሎም፥ ነዚ ስጋ ኸምቲ ኣነ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኴንኩም ኣብስልዎ እሞ ምስቲ ኣብ መሶብ ምቕዳስ ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ዄንኩም ብልዕዎ።
32 ካብቲ ስጋን እንጌራን ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ።
33 ምቕዳስኩም ሾብዓተ መዓልቲ ኪቕድሰኩም እዩ እሞ፡ መዓልትታት ምቕዳስኩም ክሳዕ ዚመልኣ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።
34 ንመተዓረቒኹም ድማ ከምዚ ሎሚ እተገብረ ኸምኡ ኸኣ ኪግበር፡ እግዚኣብሄር ኣዘዘ።
35 ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሾብዓተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተቐሚጥኩም፡ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሐልዉ።
36 ኣሮንን ደቁን ድማ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ ዂሉ ነገር ገበሩ።

1 ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም።
2 ንኣሮን ከኣ በሎ፥ ጐደሎ ዜብሎም ተባዕታይ ጣዕዋ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ድዑል ከኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም።
3 ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ሓደ ጣዕዋን ሓደ ገንሸልን፡ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዜብሎም፡ ውሰዱ።
4 ሎሚ እግዚኣብሄር ኪረኣየኩም እዩ እሞ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ዘይቲ እተኻዕዎ መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ።
5 እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣምጽኡ። ኲሉ እቲ ኣኼባ ድማ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በለ።
6 ሙሴ ኸኣ፡ እቲ እግዚብሄር ክትገብርዎ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኪረኣየኩም እዩ፡ በለ።
7 ሙሴ ድማ ንኣሮን፥ ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሓርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከኣ ኣተዐርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእ፡ ኣተዐርቆምውን፡ በሎ።
8 ሽዑ ኣሮን ናብ መሰውኢ ቐረበ እሞ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ጣዕዋ ሐረዶ።
9 ቂ ኣሮን ድማ እቲ ደም ኣቕረቡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣጻብዑ ኣብ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ፡ ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኸዐዎ።
10 ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኰለሊትን ቋንጡጥ ከብድን ግና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ።
11 ስጋኡን ቈርበቱን ከኣ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
12 ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ሐረደ። ደቂ ኣሮን ከኣ እቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
13 ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ በብቑራጹ፡ ነቲ ርእሱ ድማ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ።
14 ንናውቲ ኸብድን ነእጋርን ሐጺቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ።
15 መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረበ እሞ ነቲ ድቤላ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ወሲዱ ሓረዶ፡ ከምቲ ቐዳማይ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሰውኦ።
16 ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ከምቲ ሕጉግ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ።
17 ብጀካ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ብጊሓት ድማ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረበ፡ ካብኡ ኢድ ምሉእ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።
18 ነቲ ዝራብዕን ድዑልን ድማ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ምስጋና ዝነበረ ሐረዶ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
19 ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ድዑል ኰልኰሉን ንናውቲ ኸብዲ ዜጐልብብ ቋንጡጥን ኰለሊትን ስብሒ ኸብድን፡
20 ነቲ ስብሕታት ኣብ ልዕሊ ሓኸሌታት ገበርዎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ።
21 ኣሮን ከኣ ነተን ሓኸሌታትን የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዘን።
22 ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ ባረኾም። መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውኤ፡ ወረደ።
23 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተዉ፡ ወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ።
24 ሓዊ ኸኣ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ በልዖ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአዩ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም ከኣ ፍግም በሉ።

 

1 ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሐዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
2 ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ።
3 ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፥ በቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ ክኸብር እየ፡ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ እዚ እዩ፡ በሎ። ኣሮን ድማ ትም በለ።
4 ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልሳፋንን፡ ደቂ ኡዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፥ ቅረቡ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰፈር ውሰድዎም፡ በሎም።
5 ንሳቶም ድማ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ካብ ሰፈር ንወጻኢ ብቐማውሾም ጾርዎም።
6-7 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፥ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይኲርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዘቃጸሎ ንምዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ፡ በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ።
8 እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
9-11 ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
12 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ተዛረቦም፥ ነቲ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ዝተረፈ መስዋእቲ ብልዒ ውሰድዎ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ቅጫ ጌርኩም ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ።
13 እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር መሰልካን መሰል ደቅኻን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፡ ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ።
14 ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ዚውዝወዝ ሐኸለን ዚልዐል እግርን መሰልካን መሰል ደቅኻን ኰይኑ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ምሳኻ ድማ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንጽህቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።
15 ምስናይ እቲ ብሓዊ ዚስዋእ ስብሕታት ከኣ ነቲ ዚልዐል እግርን ዚውዝወዝ ሓኸለን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪውዝወዝ የምጽእዎ፡ እዚ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ንኣኻ ንደቅኻ ድማ ምሳኻ መሰል ዘለኣለም ይኹን።
16 ሙሴ ድማ ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣዝዩ ደለዮ፡ እንሆ ኸኣ ሐሪሩ ነበረ። ሽዑ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ዀረየሎም፥
17 በደል እቲ ኣኼባ ጼርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተትዐርቕዎም፡ ንእኡ ሂቡኩም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ኢኹም ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኩምዎ፧
18 እንሆ፡ ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተውዎን፡ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፡ ኣብ ምቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ፡ ርግጽ ምተገብኣኩም ነይሩ።
19 ኣሮን ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፥ እንሆ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን ዚሓርር መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፡ ንኣይ ከኣ ከምዚ ዝበለ ምስ በጽሓኒ፡ ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲ፡ ኣብ ዓይኒ እግዝኣብሄርዶ ባህ መበለ፧
20 ሙሴ እዚ ሰሚዑ ባህ በሎ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፥
2 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥
3 ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ።
4 ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
5 ጊሔ ድማ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
6 ማንትሌ ኸኣ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
7 ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ መጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
8 ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ።
9 ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑ፥ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም።
10 ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም።
11 ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ።
12 ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን።
13 ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየን፥ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡
14 ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ።
15 ኲሉ ኳዂ በብዓይነቱ፡
16 ሰገንን ጒጒትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ።
17 ንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓን፡
18 ቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን፡
19 ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ፡ ተምብሃረጆን መንካዕን።
20 ኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ።
21 ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ።
22 ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን፡ ኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን።
23 ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ።
24 በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ።
25 ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ።
26 ኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩ።
27 በርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኲሉ እንስሳ፡ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ።
28 ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም።
29 ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ፡
30 ጠበቕን ቊርብዖን ጐብየን ምንጭልቚትን ነፋሒቶን።
31 ካብ ኲሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።
32 ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ኣቕሓ ዕጭ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ክዳን፡ ወይ ጒኖ፡ ወይ ከረጺት፡ ዝዀነ ዚዕየዮ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ።
33 ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዂሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ።
34 ኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኲሉ ማይ ዝኣተዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝዀነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ዂሉ መስተ ርኹስ እዩ።
35 ዝዀነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣ ይረክስ፡ እቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ።
36 ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቈሮ ሓጽቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስ።
37 ካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
38 ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቖ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ።
39 ካብቶም ንመብልዕ ዚዀኑኹም እንስሳ ገለ እንተ ሐለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከዮ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።
40 ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ነቲ ገምቡ ዘልዐሎውን፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ።
41 ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩ፡ ኣይበላዕ ድማ።
42 ኲሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ፡ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም።
43 በቲ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱ፡ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱ።
44 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ።
45 ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ።
46-47 ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ።
3 ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።
4 በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥ፡ መዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ።
5 ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ።
6 ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጻህ ምስ መልአ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሐርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ።
7 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸኣ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ።
8 ገንሸል ዚአክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2 ሰብ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ እንተ ዀነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ።
3 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ዘሎ ቚስሊ ይርኤ፡ ኣብቲ ቚስሊ ዘላ ጸጒሪ እንተ ጻዕደወት፡ እቲ ቚስሊ ኸኣ ካብ ቈርበት ስጋኡ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ቊስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረአዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር።
4 እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበት ስጋኡ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ዐሚቑ እንተ ዘይተርኤ፡ ጸጒሩውን እንተ ዘይጻዕደወ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
5 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ይርአዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ቚስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተሎ፡ እቲ ቚስሊ ኸኣ አብቲ ቖርበት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ኻህን ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
6 እቲ ኻህን ድማ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻልኣይ ሳዕ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ እንተ ፋሕሸወ፡ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ሽሒር እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ ይነጽህ።
7 ንምንጻህ ኣብ ካህን ምስ ተራእየ፡ እቲ ሽሒር ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመ፡ ካልኣይ ሳዕ ኣብ ካህን ይርኤ።
8 እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ሽሒር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
9 ንሰብ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ።
10 እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበቱ ጻዕዳ ሕበጥ እንተሎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ጸጒሪ እንተ ኣጻዕደዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እንተሎ፡
11 ንሱ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኣረጊት ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይዕጾዎ።
12 እቲ ለምጺ ኣብ ቈርበት ገፊሑ እንተ ወጸ፡ እቲ ለምጺ ኸኣ ነቲ ቚሱል፡ ዓይኒ እቲ ኻህን ዚርእዮ ዘበለ፡ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንዂሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፡
13 ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ለምጺ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ቚሱል ከም ዝነጽሄ ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
14 በታ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እተራእየላ መዓልቲ ግና ርኹስ እዩ።
15 እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ።
16 ወይ እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ መሊሱ ኣብ ጻዕዳ እንተ ተለወጠ፡ ናብ ካህን ይምጻእ።
17 እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን እቲ ቚሱል ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
18 ንስጋ ኣብ ቈርበቱ ዝሐወየ ቚስሊ እንተለዎ፡
19 ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይርኤ።
20 እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጒሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቚስሊ ለምጺ እዩ።
21 እቲ ኻህን እንተ ረአዮ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይጐድጐደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
22 ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ ኸኣ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
23 እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሐመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቚስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር።
24 ወይ እቲ ስጋ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተለዎ፡ እሞ ኣብቲ ንዳድ ሓዊ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀነ።
25 ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጸጒሪ እቲ ብሩህ ብሮት መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወጾ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር።
26 ግናኸ እቲ ኻህን እንተ ረአዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጒሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጐደ እንተ ፋሕሸወ ድማ፡ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጾዎ።
27 ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
28 እቲ ብሩህ ብሮት ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበትውን እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ንሱ ሕበጥ ሓዊ እዩ፡ በሰላ ሓዊ እዩ እሞ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር።
29 ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ቚስሊ እንተለዎ፡
30 እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ናብ ቀጢን ብጫ ዜብል ጸጉሪ ኸኣ እንተለዎም፡ ንሱ ዕንፍሩር እዩ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
31 እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር እንተ ረአየ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ጸሊም ጸጒሪ ድማ እንተ ዜብሉ፡ ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር ዘለዎ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
32 ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይለሐመ፡ ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪውን እንተ ዜብሉ፡ እቲ ዕንፍሩር ከኣ ካብቲ ቘርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡
33 ንሱ ይላጸ፡ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ግና ኣይላጽዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
34 ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ካብቲ ቘርበትውን ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ይነጽህ ከኣ።
35 ድሕሪ ምንጻሁ ግና እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ፡
36 እቲ ኻህን ይርአዮ። እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ለሐመ፡ እቲ ኻህን ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪ እንተሎ ኢሉ ኣይድለ፡ ንሱ ርኹስ እዩ።
37 እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቘይሙ፡ ኣብኡውን ጸሊም ጸጒሪ በቚሉ እንተ ረአየ ግና፡ እቲ ዕንፍሩር ሐውዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር።
38 ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ብሩህ ብሮት፡ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡
39 እቲ ኻህን ይረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ቈርበት ስጋኦም ዘሎ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ጻዕዳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኣብ ቈርበት ዝወጸ ተውሳስ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
40 ሰብ ጸጒሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፡ ናይ ምንኳዕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
41 ርእሱ ብሸነኽ ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፡ ምብራሕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
42 ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሕ ርእሱ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቚጽሊ እንተለዎ፡ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወጾ ለምጺ እዩ።
43 እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቊስሊ፡ ከምቲ ናይ ቈርበት ስጋ ለምጺ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ዀይኑ እንተ ተራእየ፡
44 ለምጻም ሰብ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ኣርጊጹ ይንገረሉ፡ ቊስሉ ኣብ ርእሱ ኣሎ።
45 እቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ።
46 ቊስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን።
47-48 ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጸጒሪ፡ ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝዀነ ኻብ ቈርበት እተገብረ ነገር፡ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡
49 እቲ ቚስሊ ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት፡ ሕምልይ ወይ ቅይሕ እንተ በለ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ኣብ ካህን ድማ ይረኤ።
50 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ቚጽሊ ይርአዮ፡ ነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
51 በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ቚስሊ ይርአዮ። እቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበት፡ ንዝዀነ ዕዮ ኻብ ቈርበት ኣብ እተገብረ ነገር እንተ ለሐመ፡ እዚ ቚስልዚ በላዒ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ርኹስ እዩ።
52 ነቲ ኽዳን ድማ፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ናይ ጸጒሪ እንተ ዀነ ወይ ናይ እንጣጢዕ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እቲ ቚስሊ ዘለዎ ዘበለ፡ ይንደድ። በላዒ ለምጺ እዩ እሞ፡ ብሓዊ ይንደድ።
53 እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እንተ ዘይለሐመ፡
54 ሽዑ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ኺሐጽብዎ እቲ ኻህን ይአዝዝ፡ መሊሱ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
55 እቲ ቚስሊ ምስ ተሐጽበ ድማ፡ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ሕብሩ እንተ ዘይለወጠ፡ እቲ ቚስሊ ድማ እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ ብሉዕ፡ ብውሽጢ እንተ ዀነ ወይ ብወጻኢ፡ ንሱ ዜዕምቚ በላዒ እዩ።
56 እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ድሕሪ ምሕጻቡ እንተ ፋሕሸወ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ።
57 ኣብቲ ኽዳን፡ ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተራእየ፡ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ብሓዊ ኣንድዶ።
58 እቲ እተሐጽቦ ኽዳን፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝዀነ ቘርበት፡ እቲ ቚስሊ እንተ ኸደሉ፡ ካልኣይ ሳዕ ይተሐጸብ፡ ይነጽህ ድማ።
59 ብዛዕባ ቚስሊ ለምጺ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት፡ ንጹህ ምዃኑ ወይ ርኹስ ምዃኑ ምንጋር፡ ሕጉ እዚ እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
2 ነቲ ለምጻም ብመዓልቲ ምንጻሁ እቲ ሕጊ እዚ ይኹን፥ ናብ ካህን የምጽእዎ።
3 እቲ ኻህን ከኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ይውጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ለምጺ ኣብቲ ለምጻም እንተ ሐወየ፡
4 ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዚነጽህ ክልተ ንጹሃት ኣዕዋፍ ብህይወተን፡ ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከኣ ኪወስዱ ይአዝዝ።
5 እቲ ኻህን ድማ ካብተን ኣዕዋፍ ሓንቲኤን ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ገይሮም ኪሐርዱ ይአዝዝ።
6 ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ምስናይ እታ ህያው ዑፍ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሐርደት ዑፍ ይጥለቆ።
7 ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ለምጺ ዚነጽህ ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገሉ እሞ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ነታ ህያው ዑፍ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ።
8 እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኲሉ ጸጒሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይውን ይተሐጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሾብዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።
9 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዂሉ ጸጒሩ ይላጺ፡ ርእሱን ጭሕሙን ቅርኒብ ዓይኑን ኲሉ ጸጒሩን ይላጺ። ክዳውንቱ ኸኣ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ድማ ብማይ ይተሐጸብ፡ ይነጽህ ከኣ።
10 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸልን ጐደሎ ዜብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ ሽበንን፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ኸኣ ይወስድ።
11 እቲ ዜንጽህ ካህን ድማ ነቲ ዚነጽህ ሰብን ነዚ ነገርዝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የቚሞ።
12 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ገንጸል ምስቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ንመስዋእቲ በደል ይቕርቦ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ይወዝውዞ።
13 እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ነቲ ኻህን ከም ዝዀነ፡ እቲ መስዋእቲ በደል ከኣ ከምኡ እዩ እሞ፡ እቲ ገንጸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሐርር መስዋእትን ዚሕረዱሉ ቦታ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሐረድ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
14 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፡ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።
15 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይኽዐዎ።
16 እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ።
17 ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ድማ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።
18 ነቲ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዝተረፈ ዘይቲ ኸኣ ናብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ።
19 እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውእ እሞ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዚነጽህ የተዐርቆ፡ ድሕሪኡ ድማ ዚሐርር መስዋእቲ ይሕረድ።
20 እቲ ኻህን ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርብ፡ እቲ ኻህን ከኣ የተዐርቆ፡ ንሱውን ይነጽህ።
21 ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ ንኽንድዚ ዚኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዜብሉ ድማ፡ ንመስዋእቲ በደል ንመተዓረቒኡ ኺውዝውዞ ሓደ ገንሸል ይውሰድ፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ድማ፡
22 ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኽቦ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይውሰድ።
23 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንምንጻሁ እዚ ነገርዚ ናብ ካህን፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ።
24 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደልን ነቲ ሉግ ዘይትን ይውሰድ እሞ እቲ ኻህን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ።
25 ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ከኣ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዚነጽህ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።
26 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይዂዖ፡
27 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
28 ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ዘለዎ ቦታ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ዚነጽህ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።
29 ነቲ ኻብቲ ዘይቲ ዝተረፈ፡ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬተዐርቖ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ።
30 ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫጩት ርግቢ ይሰውእ።
31 ምስቲ መስዋእቲ ብልዒ፡ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውእ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ።
32 ብዛዕባ እቲ ቚስሊ ለምጺ ዘለዎ ንምንጻህ ዜድሊ ኣብ ኢዱ ዚኣክል ዘይረኽበ፡ ሕጉ እዚ እዩ።
33 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ክምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
34 ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኸነኣን ምስ ኣቶኹም እሞ ኣብታ እተረስቴኹምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ቤት ቊስሊ ለምጺ እንተ ሰደድኩ፡
35 ሽዑ እቲ በዓል ቤት ናብቲ ኻህን መጺኡ፡ ኣብ ቤተይ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ ተራእዩኒ፡ ኢሉ ይንገሮ።
36 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቚስሊ ኺርኢ፡ ገና ናብታ ቤት ከይአተወ፡ ኣብ ቤት ዘሎ ዂሉ ኸይረክስ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ጥራያ ኪገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕሪዚ እቲ ካህን ነታ ቤት ኪርኢ ይእቶ።
37 ነቲ ቚስሊ ድማ ይርኣዮ። እንሆ ከኣ እቲ ቚስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ሕምልይ ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጐደጒድ ካብቲ መንደቕ ዐሚቑ እንተ ተራእየ፡
38 ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእ፡ ነታ ቤት ከኣ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዋ።
39 እቲ ኻህን ድማ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ይርአያ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት እንተ ለሐመ፡
40 ሽዑ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ኣእማን ኣውጺኦም ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኺድርብይዎ፡ እቲ ኻህን ይአዝዝ።
41 እታ ቤት ድማ ብውሽጣ ዙርያኣ ትተሐኸኽ፡ እቲ ሕካኽ መሬት ከኣ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ይጐሐፍ።
42 ኣብ ክንዲ እቲ ኣእማን ድማ ካልእ ኣእማን ወሲዶም የእትዉ። ካልእ መሬት ወሲዱ ኸኣ ነታ ቤት ይለቕልቃ።
43 ነቲ ኣእማን ምስ ኣውጽኤ፡ እታ ቤት ድማ ምስ ተሐከትን ምስ ተለቕለቐትን፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት መሊሱ እንተ ወጸ።
44 እቲ ኻህን አትዩ ይርኣያ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ዚባላዕ ለምጺ እዩ እሞ፡ ንሳ ርኽስቲ እያ።
45 ነታ ቤት ድማ እምናን ዕጨይታን፡ ኲሉ መሬት እታ ቤትውን ኣፍሪሱ፡ ናብ ወጻኢ ኸተማ ናብ ርኹስ ቦታ ይጒሐፎ።
46 ነታ ቤት በተን እትዕጸወለን ኲለን መዓልትታት ዝአተዋ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
47 ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኣብታ ቤት ዝበልዔውን ክዳውንቱ ይሕጸብ።
48 እቲ ኻህን ነታ ቤት ኪርኢ እንተ ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ እታ ቤት ምስ ተለቕለቐት፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ቚስሊ ሐውዩ እዩ እሞ፡ እታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር።
49 ንምንጻህ እታ ቤት ድማ ክልተ ዑፍን ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፡
50 ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ።
51 ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱ፡ ኣብ ደም እታ እተሐርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ቤት ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገላ።
52 ነታ ቤትውን ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን ብዕጨይቲ ቄድሮስን ብስምዕዛን ብጽሩይ ቀይሕ ፈትልን የንጽሃያ።
53 ነታ ህያው ዑፍ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። ነታ ቤት ከኣ የተዐርቃ እሞ ትነጽህ።
54 ንዂሉ ዓይነት ቊስሊ ለምጽን ንዕንፍሩርን፡
55 ንለምጺ ኣብ ክዳንን ኣብ ቤትን፡
56 ንሕበጥን ንጸፋዕታን ንብሩህ ብሮትን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።
57 ዚረኽሰላ መዓልትን ዚነጽሃላ መዓልትን ኬፍልጥ፡ ሕጊ ለምጺ እዚ እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረብዎም በልዎም ከኣ፡ ሓደ ሰብ ካብ ስጋኡ ጅግል ምስ ዚከዐዎ፡ በቲ ምኽዓዉ ርኹስ እዩ።
3 እቲ ጅግሉ ክሳብ ዘሎ፡ ርኽሰቱ እዚ እዩ። ስጋኡ ጅግል እንተ ኸዐወ፡ ነቲ ጅግል እንተ ኸልከሎ፡ ንሱ ርኽሰቱ እዩ።
4 እቲ በዓል ጅግል ዝደቀሶ ዂሉ መደቀሲ ይረክስ፡ ኮፍ ዝበሎ ዂሉ ኣቕሓ ድማ ይረክስ።
5 ንመደቀሲኡ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
6 በዓል ጅግል ኮፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዚብልውን፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
7 ንስጋ እቲ ጀጋል ዝተንከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
8 እቲ ጀጋል ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ በለሉ ኸኣ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ ብማይ ድማ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
9 እቲ ጀጋል እተወጥሓሉ ዘበለ ዀረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን።
10 ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለውን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፡ ነዚ ዘልዐለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
11 እቲ ጀጋል ኢዱ ኸይተሐጽበ ዝተንከዮ ዂሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
12 እቲ ጀጋል ዝተንከዮ ኣቕሓ መሬት ይሰበር፡ ኲሉ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሐጸብ።
13 እቲ ጀጋል ካብ ጅግሉ ምስ ነጽሄ ድማ፡ ንምንጻሁ ሾብዓተ መዓልቲ ይቚጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሐጸብ፡ ሽዑ ይነጽህ።
14 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ይውሰድ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ፡ ነቲ ኻህን ከኣ ይሀቦ።
15 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ሓንቲ ድማ ንዝሓርር መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ጅግሉ ኸኣ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ።
16 ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጾ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
17 እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ኽዳውንትን ማእስን ኲሉ ብማይ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን።
18 ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ብምኽዓው ዘርኢ እንተ ደቀሳ፡ ክልቲኦም ብማይ ይተሐጸቡ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹሳት ይኹኑ።
19 ሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
20 ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዂሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን።
21 መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
22 ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
23 ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
24 ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጻግኒኣ እንተ ጸየቖ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዚድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኽኣ ርኹስ ይኹን።
25 ሰበይቲ፡ በቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዘይኰነ፡ ነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ወይ ሓለፋ እቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልትታት፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጻግኒኣ ትኹን፡ ርኽስቲ እያ።
26 እቲ ምኽዓዋ ኽሳዕ ዘሎ ዂሉ መዓልትታት እትድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኸኣ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ እትድቅሶ መደቀሲ ይኹን፡ ኮፍ እትብሎ ዂሉ ኣቕሓውን ከምቲ ርኽሰት ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን።
27 ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
28 ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቚጸር፡ ድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን።
29 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድ፡ ኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን።
30 እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይግበረን። እቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቃ።
31 ነታ ኣብ ማእከሎም ዘላ ማሕደረይ ምስ ኣርከሱ፡ ብርኽስቶም ከይሞቱስ፡ ከምዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ርኽሰቶም ፍለይዎም።
32-33 ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎን፡ ብእኡ ድማ ዝረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሐመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚከዐዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ።

 

1 ድሕሪ ሞት ክልቲኦም ደቂ ኣሮን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።
2 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርኤ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን ከይመውትሲ፡ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን መተዓረቒ ዂሉ ጊዜ ኸይአቱ፡ ንገሮ።
3 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ፡ ኣሮን በዚ ናብ ቤተ መቕደስ ይእቶ።
4 እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅዱስ ቀምሽ ታሕቲ ይከደን፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይግበር፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ድማ ይተዐጠቕ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ መጠምጠምያውን ኣብ ርእሱ ይጠምጠም። እዚ ቅዱስ ኣልባስ እዩ፡ ስጋኡ ብማይ ተሐጺቡ ይከደኖ።
5 ካብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክልተ ድቤላ፡ ንዚሐርር መስዋእቲውን ሓደ ድዑል ይውሰድ።
6 ኣሮን ከኣ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ የተዐርቕ።
7 ንኽልቲኦም ድቤላ ወሲዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም።
8 ኣሮን ድማ ነቶም ክልተ ድቤላ፡ ሓደ ዕጫ ንእግዚኣብሄር፡ ሓደ ዕጫ ከኣ ንዓዛዚል ኪኸውን፡ ዕጭ የውድቐሎም።
9 ኣሮን ድማ ነቲ ብዕጫ ንእግዚኣብሄር ዝበጽሖ ድቤላ የቕርቦ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።
10 እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሔ ድቤላ ግና ንዓዛዜል ናብ በረኻ ኺስደድ፡ ንምትዕራቑ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ይበል።
11 ኣሮን ከኣ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዐርቕ፡ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ይሕረዶ።
12 ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፡ ካብቲ እተጐድኤ ምኡዝ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ።
13 ከይመውትሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ደበና ዕጣን ምእንቲ ኪኽውሎ ከኣ፡ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበሮ።
14 ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ናብ መኽደን መተዓረቒ ብሸነኽ ምብራቑ በጻብዑ ይንጸግ፡ ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቒውን ካብቲ ደም ሾብዓተ ሳዕ በጻብዑ ይንጸግ።
15 ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ህዝቢ ድማ ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ፡ በቲ ደሙውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቕን ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቕን ይንጸጎ።
16 ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ካብ በደሎምን ብዝዀነ ሓጢኣቶም ንመቕደስ የተዐርቆ። ነቲ ምሳታቶም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ።
17 ንሱ ኼተዐርቕ ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ፡ ንርእሱን ንቤቱን ንብዘላ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ክሳዕ ዜተዐርቕ፡ ገለ ሰብ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን።
18 ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወጺኡ ኸኣ፡ ንእኡ የተዐርቆ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ድቤላን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበሮ።
19 ካብቲ ደም ከኣ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግ፡ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን።
20 ንመቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ዐሪቑ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ህያው ድቤላ የቕርቦ።
21 ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ህያው ድቤላ የንብር እሞ፡ ብኲሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ብዂሉ በደሎምን ብዂሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፡ ብኢድ እቲ ነዚ እተዳለወ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይስደዶ።
22 እቲ ድቤላ ኸኣ ንዂሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ጽምዊ ምድሪ ይጹሮ፡ ነቲ ድቤላ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ።
23 ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ፡ ነቲ ናብ መቕደስ ኪአቱ ኸሎ ለቢስዎ ዝነበረ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባሳትውን የውጽኣዮ፡ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ።
24 ድማ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኑ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሐጸብ፡ ክዳውንቱ ኸኣ ይከደን። ወጺኡ ድማ ነቲ ዚሐርር መስዋእቱን ነዚ ዚሐርር መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፡ ንርእሱን ንህዝብን ከኣ የተዐርቕ።
25 ስብሒ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርር።
26 እቲ ነቲ ድቤላ ንዓዛዜል ዝፈነወ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብ፡ ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ።
27 ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣትን፡ ደሞም ንምትዕራቕ ናብ መቕደስ ዝአተወ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽእዎም፡ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከኣ ብሓዊ የንድድዎ።
28 እቲ ዘንደዶም ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብ፡ ድሕርዚ ናብ ሰፈር ይእቶ።
29 እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም፥ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚቕመጥ ስደተኛ፡ ነፍስኹም ኣዋርዱ፡ ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
30በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዐረቑ ኢኹም እሞ፡ ካብ ኲሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነጽሁ ኢኹም።
31 ንኣኻትኩም ዓባይ ሰንበት ዕረፍቲ እያ፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ፡ ሕጊ ዘለኣለም እዩ።
32 እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኻህን ኪኸውን እተቐብኤን እተቐደሰን ካህን የተዐርቕ፡ እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባስ ድማ፡ እቲ ቅዱስ ኣልባስ፡ ይልበስ።
33 ነቲ ቅዱስተ ቅዱሳን ከኣ የተዐርቕ፡ ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ድማ የተዐርቕ፡ ንኻህናትን ንዂሉ ህዝቢ ማሕበርን ከኣ የተዐርቕ።
34 ንደቂ እስራኤል ሓንሳእ ኣብ ዓመት ካብ ኲሉ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ፡ እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኸኣ ገበረ።

 

1 እግዝኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
2 ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞን ዝበሎን ነገር እዚ እዩ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡
3 ዝዀነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ ወይ ገንሸል ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሐረደ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተሓረደ፡
4 ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ ንእግዝኣብሄር መስዋእቲ ኬቕርቦ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዕዳ ደም ይቚጸረሉ። ደም ኲዕዩ እዩ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።
5 ስለዚ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ ዚሕረድ መስዋእቶም ናብ እግዚኣብሄር፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ንመስዋእቲ ምስጋና የቕርቡሉ።
6 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ይንጸጎ። ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና የሕርሮ።
7 ደጊም እቲ ዚሕረድ መስዋእቶም ነቶም ብምንዝርና ዚስዕብዎም ኣጋንንቲ ኣይሰውኡ። እዚ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም።
8 ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ ዚሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፡
9 ንእግዚኣብሄር ኪስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ፡ በሎም።
10 ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ደም ዘበለ እንተ በልዔ፡ ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።
11 ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም።
12 ስለዚ ንደቂ እስራኤል፡ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ፡ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓናውን ደም ኣይብላዕ፡ በልኩ።
13 ድማ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዚነብሩ ጓኖት ዚብልዓ እንስሳ ወይ ዑፍ ሀዲኑ እንተ ሐዘ፡ ነቲ ደም ይኽዐዎ፡ ሓመድ ድማ ይኽደኖ።
14 ነፍሲ ዂሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ስጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ።
15 ዝዀነ ነፍሲ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዔ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን፡ ሽዑ ይነጽህ።
16 ክዳውንቱ እንተ ዘይሐጸበ፡ ስጋኡ ኸኣ እንተ ዘይተሐጽበ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
3 ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነአን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ።
4 ብእኡ ኽትመላለሱ ፍርድታተይ ግበሩ፡ ሕጋጋተይ ከኣ ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
5 ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉ፡ እቲ ዚገብሮ ሰብ ብእኡ ህያው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
6 ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
7 ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕ፡ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
8 ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ።
9 ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣቦካ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደት፡ ሕፍረት ኣይትቕላዕ።
10 ሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ፡ ሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕ።
11 ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
12 ሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ፡ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ፡
13 ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕ፡
14 ሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ናብ ሰበይቱ ኣይትቕረብ፡ ሓብቲ ኣቦኻ እያ።
15 ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፡ ሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
16 ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ።
17 ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕ፡ ጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድ፡ ንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩ።
18 ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ።
19 ሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ።
20 ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ።
21 ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
22 ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ።
23 ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ።
24 እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ዂሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዂሉ ኣይትርከሱ።
25 እታ ምድሪ በዚ ረኸሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዋ ኽትተፍኦም እያ።
26 ንስኻትኩም ግና ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓና፡ ካብ ኲሉ እዚ ጽያፍ እዚ ገለ ኣይትግበሩ።
27 እዚ ዂሉ ጽያፍ እቶም ቅድሜኹም ኣብአ ዝነበሩ ሰብ እታ ሃገር ገይሮምዎ እዮም እሞ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት።
28 እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበርዋ ህዝቢ ኸም ዝተፍኣቶም፡ ንኣኻትኩም ድማ ከይትተፍኣኩም።
29 ካብዚ ዂሉ ጽያፍ እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ እተን ዝገበራ ነፍሳት ካብ መንጎ ህዝበን ኪምንቈሳ እየን።
30 እቲ ቕድሜኹም ዚገብርዎ ዝነበሩ ርኹስ ስርዓታት ከይትገብሩ፡ ብእኡ ኸኣ ከይትረኽሱ፡ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝአዘዝኩኹም ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ።
3 ነፍሲ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቦኡን ይፍራህ። ሰናብተይ ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
4 ናብ ጣኦታት ኣይትመለሱ፡ ኣማልኽቲ ፍሲ ድማ ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
5 ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስእትስውኡ፡ ባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ።
6 በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ።
7 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ ፍንፉን እዩ፡ ኣይቅቡልን እዩ።
8 እቲ ዝበልዖ ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ክፍኣቱ ይጸውር፡ እታ ነፍሲ እቲአ ኸኣ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።
9 ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዐጽዱ፡ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ፡ ነቲ ቐሪም ዐጺድካውን ኣይትእረዮ።
10 ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ፡ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይትእረዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
11 ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሐስዉ።
12 ንስም ኣምላኽካ ኽይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶት ኣይትምሐሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
13 ንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር።
14 ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
15 ብፍርዲ ኣይትዐምጹ፥ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ።
16 ክትሐሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
17 ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ፡ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጸቢቕካ ግንሓዮ።
18 ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
19 ሕጋጋተይ ሐልዉ፡ ማልካ ምስ ካልእ ዓይነት ኣይተታሉ። ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ፡ ካብ ክልተ ዓይነት እተሐወሰ ዓለባ ኣይትከደን።
20 ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ብዋጋ ሓራ ዘይወጸት፡ ሓራ ድማ ዘይተዋህባ፡ ባርያ ኽነሳ ንሓደ ሰብኣይ እተሐጽየት ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተራኸባ፡ ንሳ ሓራ ስለ ዘይወጸት ግና፡ ይቀጽዑ ደኣ እምበር፡ ኣይሙቱ፡
21 ንሱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ፡ ድዑል መስዋእቲ በደል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ።
22 ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኸኣ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ፡ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ይሕደገሉ።
23 ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ኲሉ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍሬኡ ኸም ዘይተገዝረ ርአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ይኹንኩም፡ ኣይበላዕ ድማ።
24 ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ድማ ብዘሎ ፍሬኡ ንምስጋና እግዚኣብሄር ይቀደስ።
25 ኣብዚሑ ኺፈርየልኩምሲ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመት ፍሬኡ ብልዑ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
26 ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቊሉን ኣይተማርቱን።
27 ወሰነ ወሰን ጸጒሪ ርእስኹም ኣይትቚረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኻውን ኣይትቚረጽ።
28 ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
29 እታ ሃገር ከይትምንዝር፡ እታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእ፡ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ።
30 ሰናብተይ ሓልዉ፡ መቕደሰይ ከኣ ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
31 ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
32 ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
33 ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ፡ ኣይትግፍዕዎ።
34 ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ንነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
35 ብፍርዲ ዀነ፡ ብመለክዒ እመት ኰነ፡ ብሚዛን ኰነ፡ ብምሰ ዀነ፡ ኣይትዐምጹ።
36 ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ፡ ቅኑዕ ኤፋ፡ ቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
37 እምብኣርሲ ዂሉ ሕጋጋተይን ኲሉ ፍርድታተይን ሐልዉ ግበርዎ ኸኣ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዝህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።
3 መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕስር፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቕሶ እየ።
4 እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ኪህብ ከሎ፡ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከይቐትልዎ ኣዒንቶም እንተ ዐመቱ፡
5 ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተ ሰቡን ገጸይ ክመልስ እየ፡ ንእኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ኪምንዝሩ ብምንዝርና ዚስዕብዎ ዂሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቊሶም እየ።
6 ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ አነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።
7 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ተቐደሱ ቅዱሳት ድማ ኩኑ።
8 ሕጋጋተይ ሓልዉ፡ ግበርዎዉን። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9 ዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።
10 ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ።
11 ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፡ ሕፍረት ኣቦኡ ቐልዔ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
12 ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
13 ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
14 ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማእከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዱ።
15 ሰብ ከኣ ምስ እንስሳ ብስጋ እንተ ተራኸበ፡ ሞት ይሙት፡ ነታ እንስሳውን ቅተልዋ።
16 ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኽቦ ኢላ ናብ ገለ እንስሳ እንተ ቐረበት፡ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
17 ሰብ ከኣ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ እንተ ኣእተወ፡ ሕፍረታ ድማ እንተ ረአየ፡ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ረአየት፡ እዚ ነውሪ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሱ ሕፍረት ሓብቱ ቐሊዑ እዩ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።
18 ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረታውን እንተ ቐልዔ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዔ፡ ንሳ ኸኣ ፈልፋሊ ደማ ቐልዔት፡ ስለዚ ኽልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ኪምንቄሱ እዮም።
19 ሕፍረት ሓትኖኻን ኣሞኻን ኣይትቅላዕ። ሕፍረት ቀረባ ስጋኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ክፍኣቶም ኪጾሩ እዮም።
20 ሰብ ድማ ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረት ሓው ኣቦኡ ቐልዔ፡ ሓጢኣቶም ይጹሩ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይሙቱ።
21 ሰብ ከኣ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ሕፍረት ሓዉ ቐልዔ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይኹኑ።
22 እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍኣኩምሲ፡ ኲሉ ሕጋጋተይን ኲሉ ፍርድታተይን ሐልዉን ግበሩን።
23 ብኣመል እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፡ እዚ ዂሉ ገይሮም እዮም እሞ፡ ፈንፈንክዎም።
24 በልኩኹም ድማ፥ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስተዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ካብ ህዝብታት ዝፈሌኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
25 እምብኣርሲ ኣብ መንጎ ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንጹሃትን ኣዕዋፍ ድማ ፍለዩ፡ በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈሌኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብልን፡ ንነፍሳትኩም ኣይተርክሱ።
26 ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳን ኩኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።
27 ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ብገለ ምዉት ካብ ህዝቢ ኣይርከስ፡
2 ብጀካ ብቐረባ ዘመዱ፡ በዲኡ ወይ በቦኡ ወይ ብወዱ ወይ ብጓሉ ወይ ብሓዉ፡
3 ድማ በታ እትቐርቦ ድንግል፡ ዘይተመርዐወት ሓብቱ፡ ብእኣ ይርከስ።
4 ኣብ መንጎ ህዝቡ ጐይታ እዩ፡ ከይገሀስ ርእሱ ኣየርክስ።
5 ርእሶም ላጽዮም ኣየብርሑ፡ ወሰነ ወሰነ ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ።
6 ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡ ስም ኣምላኾምውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ እንጌራ ኣምላኾም፡ የቕርቡ እዮም እሞ፡ ስለዚ ቅዱሳት ይኹኑ።
7 ንኣምላኹ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ኣየእትዉ፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሔት ሰበይቲ አየእትዉ፡
8 ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ስለዚ ቀድሶ። ኣነ እግዚኣብሄር ዝቕድሰኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹን።
9 ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት። ንሳ ነቦኣ ኣርከሰት። ብሓዊ ትንደድ።
10 እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት እተኻዕዎ፡ ቅዱስ ኣልባስ ኪለብስ ድማ እተቐደሰ፡ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ፡ ንሱ ርእሱ ኣይቕላዕ፡ ክዳኑውን ኣይቕደድ።
11 ናብ ገለ ምዉት ሰብ ድማ ኣይእቶ፡ በቦኡን በዲኡን ከኣ ኣይርከስ።
12 እቲ ኣኽሊል ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ መቕደስ ኣምላኹ ኸኣ ኣየርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
13 ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ።
14 ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር፡ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ አመንዝራ ኣየእቱ።
15 ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
17 ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ብዚመጽእ ወለዶኦም ዝዀነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ።
18 ዝዀነ ሰብ ጐደሎ ዘለዎ፡ ዕዉር ወይ ሓንካስ ወይ ጥፍሉሕ ኣፍንጫኡ ወይ ኣብ ኣካሉ ገለ ሓለፋ ዘለዎ፡
19 ወይ ስቡር እግሪ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡
20 ወይ ጐባጥ ወይ ድንኪ ወይ ዓይኑ ዝሐበለ ወይ ሻሕራም ወይ ዓባቕ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ።
21 ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጐደሎ ዘለዎ ዘበለ ሰብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ኬቕርብ ኣይቕረብ። ጐደሎ ኣለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ።
22 እንጌራ ኣምላኹ ካብቲ ቅዱስ ቅዱሳንን ካብቲ ቅዱስን ይብላዕ።
23 ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ጐደሎ ስለ ዘለዎ፡ መቓድሰይ ከየርክስ፡ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፡ ናብ መሰውኢ ኸኣ ኣይቕረብ።
24 ሙሴ ድማ እዚ ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንኣሮንን ንደቁን፡ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዚቕድሱለይ ቅዱስ ነገር ኪፍለዩን፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ከኣ ከየርክሱን ንገሮም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
3 ብዚመጽእ ወለዶኹም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ኲሉ ዘርእኹም፡ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ኸሎ፡ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚቕድሱሉ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፡ እታ ንፍሲ እቲኣ ኻብ ቅድመይ ክትምንቈስ እያ፡ በሎም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
4 ዝዀነ ሰብ ካብ ዘርኢ ኣሮን ለምጻም ወይ ዘርኡ ዚከዐዎ፡ ክሳዕ ዚነጽህ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዘበለ ነገር ዝተንከየ፡ ወይ ዘርኡ ኻብኡ ዝወጾ ሰብ፡
5 ንዜርክሶ ዘበለ ለመምታ ዝተንከየ ሰብ፡ ወይ ዝዀነ ርኽሰት ብዘለዎ ሰብ ዝረኸሰ፡
6 ነዚ ዝተንከየት ነፍሲ ኽሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን፡ ስጋኡ ብማይ ክሳዕ ዚሕጸብ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።
7 ጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ ይነጽህ፡ ድሕርቲ፡ ንሱ ምግቡ እዩ እሞ፡ ካብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ።
8 ብእኡ ኸይረክስሲ፡ ሕሉቕን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9 ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይጾሩ፡ እንተ ኣርከስዎ ድማ፡ ከይሞቱ፡ ትእዛዘይ ይሐልዉ። ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
10 ጓና ዘበለ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ፡ ምስ ካህን ዚነብር ወይ ግዙኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።
11 እቲ ኻህን ብገንዘቡ ተሻይጡ ሰብ እንተ ኣጥረየ ግና፡ ንሱ ኻብኡ ይብላዕ፡ ኣብ ቤቱ እተወልደ ኸኣ ከምኡ፡ እዚኣቶም ካብቲ እንጌራኡ ይብልዑ።
12 ጓል ካህን ድማ ሰበይቲ ጓና እንተ ዀነት ካብቲ ናይ ቅዱስ ነገር ዚልዐል መስዋእቲ ኣይትብላዕ።
13 ጓል ካህን መበለት እንተ ዀነት ወይ ፍትሕቲ፡ ውሉድ ከኣ ዜብላ፡ ተመሊሳ፡ ከምቲ ብጓላ ኸላ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተ ተቐመጠት፡ ካብ እንጌራ ኣቦኣ ትብላዕ። ጓና ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ።
14 ዝዀነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ቅዱስ ነገር እንተ በልዔ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሳይ ኣፍ ወሲኹ እቲ ቅዱስ ነገር ንኻህን ይሀቦ።
15-16 ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሂር እየ እሞ፡ ንሳቶም ካብቲ ዝቐደስዎ ነገር ብምብላዖም በደል ዚዀኖም ክፍኣት ከይጾሩስ፡ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚስውእዎ ቅዱስ ነገር ኣየርክሱ።
17 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
18 ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብር ጓና መስዋእቱ ዜቕርብ፡ መስዋእቲ መብጽዓ ዀነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር ንዚሐርር መስዋእቲ ዜቕርብዎ፡
19 ምእንቲ ኺፍተወልኩም፡ ካብ ኣብዑር ኰነ ወይ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ኣቕርቡ።
20 ጐደሎ ዘለዎ ዘበለ ግና ኣይፍተወልኩምን እዩ እሞ፡ ኣይተቕርብዎ።
21 ዝዀነ ሰብ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፡ ካብ ማል ኰነ ወይ ካብ ጤለበጊዕ፡ ምስ ዜቕርብ፡ ምእንቲ ኺፍቶ ጐደሎ ዜብሉ ይኹን፡ ገለ እኳ ጐደሎ ኣይሀልዎ።
22 ዕውር ወይ ስቡር ወይ ቊሩጽ ወይ ቊሱል ወይ ዐባቕ ወይ ሻሕራም፡ እዚ ንእግዚኣብሄር እይተቕርቡሉ። ካብ እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ።
23 ብዕራይ ወይ በጊዕ ኣካሉ እንተ ነውሔ ወይ እንተ ሓጸረ፡ ንመስዋእቲ ፍቓድሲ ግበሮ፡ ንመስዋእቲ መብጽዓ ግና ኣይፍቶን እዩ።
24 ብምጭፍላቕ ወይ ብምቕጥቃጥ ወይ ብምምላሕ ወይ ብምቚራጽ ዝሶረ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፡ ኣብ ሃገርኩምውን ኣይትግበርዎ።
25 እዚኣቶም ጒዱኣት እዮም፡ ጐደሎ ኣለዎም እሞ፡ ካብ ኢድ ጓና ድማ ካብዚ ዂሉ እንጌራ ኣምላኽኩም ኣይተቕርቡ፡ ኣይፍተወልኩምን እዩ።
26 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
27 ብተይ ወይ ዕየት ወይ ማሕስእ ምስ ተወልደ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ ካብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንንየው ከኣ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ፍትዊ እዩ።
28 ላም ኰነ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ።
29 መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ምስ እትስውኡሉ፡ ከም ዚፍተወልኩም ጌርኩም ሰውእዎ።
30 በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፡ ካብኣ ገለ እኳ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣይትሕደጉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
31 ትእዛዛተይ ድማ ሐልዉ፡ ግበርዎውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
32 ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክቕደስሲ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
33 ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራእል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን በዓላት እግዚኣብሄር፡ እዚኣተን በዓላተይ እየን፡
3 ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ኣኼባ ዚጽውዑላ ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩላ፡ ንሳ ኣብ ኲሉ ትነብርዎ ሰንበት እግዚኣብሄር እያ።
4 እቶም ምዱብ ግዝያቶም ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁሎም በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣቶም እዮም፡
5 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ኪመሲ ኸሎ፡ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።
6 በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።
7 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ።
8 ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡
10 በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዝሀበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዐጽዱ ኸሎኹም ድማ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ።
11 ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ፡ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ።
12 በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ንዚሐርር መስዋእቲ ጐደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት ሰውኡ።
13 ነታ ምስኡ ዘሎ መስዋቲ ብልዒ ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ራብዓይ ኣፍ ሂን ወይኒ ይኹን።
14 ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ ዀነ፡ ጥቡስ ሰዊት ኰነ፡ ዘይጥቡስ ሰዊት ኰነ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
15 ካብታ ዚውዝወዝ እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ፡ ካብ ጽባሕ እታ ሰንበት ቈጺርኩም ሾብዓተ ምሉኣት ሰናብቲ ይኹና።
16 ክሳዕ ጽባሕ እታ ሳብዐይቲ ሰንበት ሓምሳ መዓልቲ ቚጸሩ፡ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርቡ።
17 ካብቲ እትነብርዎ፡ እንጌራ መስዋእቲ ምውዝዋዝ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ በኹዕ እተሰንከተ ኽልተ እንጌራ ህያብ በዂራት ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ።
18 ምስቲ እንጌራ ድማ ጐደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል ኣቕርቡ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ይኹኑ። ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከኣ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ ይኹን።
19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ።
20 እቲ ኻህን ድማ ንኣታቶም ምስቲ እንጌራ በዂራትን ምስ ክልቲኦም ገንሸልን ገይሩ፡ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ። ንእግዚኣብሄር እተቐደሱ፡ ንኻህን ይኹኑ።
21 በታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ኣውጁ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ።
22 ዓጺድ ምድርኹም ክትዐጽዱ ኸሎኹም፡ ክሳዕ ወሰን ግራትካ ኣይትዕጸድ፡ ንቐሪም እቲ ዕጹድካውን ኣይትእረዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደአ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
24 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ዕረፍቲ ንመዘከርታ ብቓና መለኸት፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም።
25 ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዮ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ።
26 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
27 ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ንሳ መዓልቲ ዕርቂ እያ። ሽዑ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ነፍስኹም ድማ ኣዋርዱ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሓዊ ሰውኡ።
28 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
29 በታ መዓልቲ እቲኣ ዘይትዋረድ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ።
30 በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ዕዮ እትዐዪ ዘበለት ነፍሲ፡ ነታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል ህዝባ ኸጥፍኣ እየ።
31 ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ኣብ ኲሉ እትነብርዎ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ።
32 እዚኣ ፍጹም ሰንበት ዕረፍቲ ትኹነልኩም፡ ነፍሳትኩም ከኣ ኣዋርዱ። ካብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ምሸት፡ ንሰንበትኩም ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ።
33 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
34 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ንእግዚኣብሄር ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ እዩ።
35 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ።
36 ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ብሳምነትይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። ዓብዪ በዓል ማሕበር እዩ፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ።
37 ቅዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን፡ እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣተን እየን።
38 እዚ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄርን ብዘይ እቲ ህያባትኩምን ብዘይ ኲሉ መብጽዓኹምን ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር ብፍቓድ እትህብዎ ዂሉ መስዋእትኹምን እዩ።
39 ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣታሕሰስኩም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን። በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን።
40 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦም፡ ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን፡ ዕቦል ርባ ከኣ ውሰዱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሐጐሱ።
41 ነዚ በዓል እዚ ኣብ ዓመት ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ።
42-43 እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎም፡ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፡ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዘበሉ ኣብ ዳስ ይቀመጡ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
44 ሙሴ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓላት እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 እቲ ቐንዴል ወርትግ ኪበርህሲ፡ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዴል ዚኸውን እተጐድኤ ጽሩይ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ኣዝዝ።
3 ኣሮን ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት ወርትግ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
4 ነቲ ቐነዲል ኣብቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወርትግ የዳልዎ።
5 ድኹም ሓርጭ ወሲድካ ድማ፡ ካብኡ ዓሰርተው ክልተ እንጌራ ሰንክት፡ ነንሓደ እንጌራ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ይኹን።
6 ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሹድሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ።
7 ነቲ እንጌራ ድማ ንመዘከርታ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኪኸውንሲ፡ ኣብ ለልዕሊ እቲ መመስርዕ እንጌራ ጽሩይ ዕጣን ኣንብር።
8 ካብ ደቂ እስራኤል ንኺዳን ዘለኣለም በብመዓልቲ ሰንበት ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልዎ።
9 እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ንእኡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኸኣ ይብልዕዎ። እዚ ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።
10 ወዲ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ፡ ንሱ ኸኣ ወዲ ምስራዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወጸ፡ ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይትን ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ድማ ኣብቲ ሰፈር ተበአሱ።
11 ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ ንስም እግዚኣብሄር ጸረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ሰሎሚት ጓል ዲብሪ፡ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።
12 ብዛዕባኡ ብኣፍ እግዚብሄር ክሳዕ ዚቚረጸሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሕዎ።
13 እግዚብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
14 ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ዂሎም ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ።
15 ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝዀነ ሰብ ንኣምላኹ ዘቃለለ፡ ሓጢኣቱ ይጸውር።
16 እቲ ስም እግዚኣብሄር ዚጸርፍ፡ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ። ጓና ዀነ ወይ ወዲ ዓዲ፡ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዚጸርፍ ይሙት።
17 ንዝዀነ ሰብ ዝቐተለ ሰብ፡ ሞት ይሙት።
18 እንስሳ ዝቐተለ ይተክእ፡ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት።
19 ሰብ፡ ኣካል ብጻዩ ምስ ዜጒድል፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይግበርዎ፡
20 ምስባር ኣብ ክንዲ ምስባር፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጒደሎ፡ ንእኡ ድማ ከምኡ ይግበርዎ።
21 እንስሳ ዝቐተለ ይተክኣሉ፡ ሰብ ዝቐተለ ኸኣ ይሙት።
22 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ኸም ዝዀነ፡ ንወዲ ዓዲውን ከምኡ ይኹን፡ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።
23 ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም። ንሳቶም ድማ ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ አቶኹም፡ እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተብዕል።
3 ሹድሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ ሹድሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍ፡ ፍሬኣ ድማ ኣክብ።
4 በታ ሳብዐይቲ፡ ሰንበት እግዚኣብሄር ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ።
5 ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ፡ እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰንበት ዕረፍቲ ይኹን።
6 ሰንበት እታ ምድሪ ንኣኻን ንግዙእካን ንግዝእትኻን ንወዓላይካን ነቲ ምሳኻ ዚነብር ስደተኛን ምግብኹም ይኹን።
7 ኲሉ ፍሬኣ ንማልካን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ እንስሳን ቀለብ ይኹን።
8 ድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቚጸር፡ ዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ።
9 ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ።
10 ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ።
11 እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ።
12እዚኣ ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝአተወ ብልዑ።
13 በዛ ዓመት እልልታ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ።
14 ገለ ንብጻይካ እንተ ሸጥካሉ፡ ወይ ካብ ኢድ ብጻይካ ገለ እንተ ተሻይጥካ፡ ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይዐምጽ።
15 ብቚጽሪ ዓመታት ድሕሪ ዓመት እልልታ ኻብ ብጻይካ ተሻየጥ፡ ንሱ ድማ ብቚጽሪ ዓመታት ፍሬኡ ይሽጠልካ።
16 ብቚጽሪ ዓመታት ፍረ እዩ ዚሸጠልካ እሞ፡ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፡ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ።
17 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።
18 ሕጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይውን ሐልዉን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።
19 እታ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ትህብ እሞ፡ በሊዕኩም ትጸግቡ። ኣብኣውን ብህድኣት ትነብሩ።
20 እንሆ፡ ኣይዘራእናን ፍረ ድማ ኣየእቶናን፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ደኣ እንታይ ክንበልዕ ኢና፡ እንተ በልኩም፡
21 ሽዑ በታ ሳድሰይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፡ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ፍረ ኸኣ ከተፍርየልኩም እያ።
22 በታ ሳምነይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡ ኢኹም፡ ካብ ነባር እኽሊ ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። ክሳዕ እታ ታስዐይቲ ዓመት፡ ፍሬኣ ኽሳዕ ዚአቱ፡ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።
23 ምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
24 ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋ።
25 ሓውካ እንተ ተሸገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተሸጠ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበጀዎ።
26 ዚብጀዎ ዘመድ እንተ ዜብሉ፡ ንሱ ግና ኢዱ እንተ መልኣሉ፡ ንምብጃው ዚአክልውን እንተ ረኸበ፡
27 እተን እተሸጠትለን ዓመታት ይቚጸር፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ እተሻየጠ ሂቡ፡ ናብ ርስቱ ይምለስ።
28 ንመምለሲኡ ዚአክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፡ እቲ እተሸጠ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ኣብ ኢድ ተሻያጢኡ ይጽናሕ። በታ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ፡ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ።
29 ሰብ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት እንተ ሸጠ፡ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ይበጀዋ፡ ጊዜ ምብጃዋ ዓመት ምሉእ ይኹን።
30 ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጀወት ከኣ፡ እታ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ እተሻየጣ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፡ ብዓመት እልልታ ሓራ ኣይትወጽእን።
31 ኣብ ዙርያኤን ቀጽሪ ኣብ ዜብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ምስ ግራውቲ ሃገር ይተሐሰባ፡ በጃ ይውሀበን፡ ብዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ።
32 ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኺብጀውወን፡ ንሌዋውያን ናይ ዘለኣለም ስርዓት ይኹን።
33 እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኸኣ፡ ንሳተን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቶም እየን እሞ፡ ሓደ ኻብ ሌዋውያን እንተ ተበጀወ፡ ሽዑ እታ እተሸጠት ቤትን እታ ናይ ርስቱ ኸተማን ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኣ።
34 ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እያ እሞ፡ ኣይትሸየጥ።
35 ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር።
36 ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር።
37 ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።
38 ኣምላኽ ክዀነኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
39 ሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርእሱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ፡
40 ከም በዓል ዓስብን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ።
41 ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ካባኻ ሓራ ይውጻእ እሞ፡ ናብ ዓሌቱ ይመለስ፡ ናብ ርስቲ ኣቦታቱ ኸኣ ይመለስ።
42 ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም እሞ፡ ባርያ ኸም ዚሽየጥ ኣይሸየጡ።
43 ኣበርቲዕካ ኣይትግዝኣዮ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።
44 ንኣኻ ዚዀኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ።
45 ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡ፡ ጥሪት ይኹኑኹም።
46 ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓዉ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ።
47 ጓና ወይ ምሳኻ ዘሎ ጸጋዕተኛ እንተ ሀብተመ፡ ሓደ ሓውካ ኸኣ ምስኡ ኸሎ እንተ ደኸየ እሞ ንርእሱ ኣብቲ ምሳኻ ዚነብር ጓና፡ ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና እንተ ሸጠ፡
48 ድሕሪ ምሻጡ ይበጀውዎ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ።
49 ሓው ኣቦኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይበጀዎ፡ ወይ ካብ ዓሌቱ፡ ካብ ዘመድ ስጋኡ ሓደ ይበጀዎ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፡ ንርእሱ ይበጀዋ።
50 ካብታ እተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ምስቲ እተሻየጦ ዀይኑ ይጸብጽብ፡ እቲ ዋጋ መሸጣኡ ብመጠን ቊጽሪ ዓመታት ይኹን፡ ከም መጠን መዓልትታት ወዓላይ ምስኡ ይኹን።
51 ገና ብዙሕ ዓመታት እንተሎ፡ ብእኤን መጠን ዋጋ መበጀዊኡ ኻብቲ ገንዘብ መሸጣኡ ይምለስ።
52 ክሳዕ ዓመት እልልታ ቕሩብ ዓመታት ተሪፉ እንተሎ፡ ምስኡ ጸብጺቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መበጀዊኡ ይምለስ።
53 ከም ዓሰባ ዓመት ንዓመት ምስኡ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ።
54 በዚ እንተ ዘይተበጀወ ኸኣ፡ ንሱ ደቁ ኸኣ ምስኡ ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኡ።
55 ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

 

1 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።
2 ሰናብተይ ሓልዉ። መቕደሰይውን ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
3 ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሐሎኹም፡ እንተ ገበርኩምዎ ኸኣ፡
4 ኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባ።
5 መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕ፡ ምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ክሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ሀዲእኩም ትቕመጡ።
6 ኣብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ትብሉ፡ ዜፍርሃኩምውን የልቦን፡ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፡ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም ኣይሐልፍን።
7 ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
8 ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጒዎም፡ ሚእቲ ካባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጒዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
9 ኣነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፡ ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ።
10 ነዊሕ እተዓቚረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑ፡ ስለቲ ሓድሽ ከኣ ነቲ ዕቑር ትጒሕፍዎ።
11 ማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክገብር እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን።
12 ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ፡ ኣምላኽኩምውን እኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትዀኑኒ።
13 መታን ባሮቶም ከይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ቊራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበርኩኹም።
14 ግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ዂሉ ትእዛዛት እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩም፡
15 ሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዐቕኩም እሞ ኲሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩ፡ ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣፍረስኩም፡
16 ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዜሕምቕ ነፍሲ ኸኣ ዜድክም ዓሶን ክሰደልኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ።
17 ገጸይ ከኣ ናብ ልዕሌኹም ክመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልኡኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም፡ ዝሰጐጐኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም።
18 በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ።
19 ነቲ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺን፡ ምድርኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ።
20 ምድርኹም እኽላ ኣይትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
21 ክትጻረሩኒ እንተ ኸድኩም፡ ክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ።
22 ንደቅኹም ዚዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዜጥፍኡ፡ ንቚጽርኹም ድማ ዜውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም።
23 በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም፡
24 ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩም።
25 ሕነ ኺዳነይ ዚፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሀቡ።
26 በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩም፡ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦ፡ እንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን።
27 በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኽድኩም፡
28 ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም።
29 ስጋ ኣወዳትኩም ክትብልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።
30 በረኽትኹም ኤፍርስ፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኒድኩምውን እሰብር፡ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ።
31 ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረን፡ ንመቓድስኩምውን ኤፍርሰን፡ ደጊም ከኣ እቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጨንዎን።
32 ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኺድነቑ እዮም።
33 ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተማታትኩምውን በረኻ ይዀና።
34 ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዐንወሉ ዅሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዐርፍ፡ ብሰናብታ ኸኣ ባህ ይብላ።
35 እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ብሰናብትኹም ዘይዐርፈት፡ በቲ እትዐንወሉ ዂሉ ዘበን ክትዐርፍ እያ።
36 ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለዉ፡ ምሽባር ናብ ልቦም ከእቱ እየ፡ ደሃይ እተነቓነቐት ቈጽሊ ኸኣ የህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዚሀድም ይሀድሙ፡ ገለ ኸይሰጐጎም ከኣ ይወድቁ።
37 ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ከኣ ክትቈሙ ኣይትኽእሉን።
38 ኣብ ማእከል ህብታት ትጠፍኡ፡ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም።
39 እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑ፡ ብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ።
40 በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዚገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡
41 ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርክዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእቶኽዎም። ሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶምውን እንተ ተቐበሉ፡
42 ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ።
43 ነታ ሃገር ኪሐድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከየለዉ ዖንያ ኸላ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፡ ነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ።
44 እዚ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምን፡ ኣይፍንፍኖምን ድማ።
45 ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጺኤ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝአቶኽዎ ኺዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
46 እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሀበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብ ምስ ዚመጻባዕ፡ እቶም ነፍሳት ንእግዚኣብሄር ከም ገምጋምካ ይተሐሰቡ።
3 እቲ ገምጋምካ ድማ፡ ንተባዕታይ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ወዲ ስሳ ዓመት ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይኹን።
4 ጓል ኣንስተይቲ እንተ ዀነት ከኣ፡ ገምጋምካ ሰላሳ ሲቃል ይኹን።
5 ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ወዲ ዕስራ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ዕስራ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን።
6 ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋምካ ንጓል ኣንስተይቲውን ሰለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን።
7 ካብ ወዲ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ድማ፡ ንተባዕታይ እንተ ዀነ፡ ገምጋምካ ዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን።
8 ነቲ ገምጋምካ ዘይኽእል ድኻ እንተ ዀነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብልዎ፡ እቲ ኻህን ከኣ ይገምግሞ። እቲ ኻህን ነቲ እተመባጽዔ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዚረኽቦ ይገምግሞ።
9 እቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር እተዋህበ ዂሉ ቅዱስ ይኹን።
10 ጽቡቕ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ወይ ክፉእ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣይሕለፍ፡ ኣይለወጥ ድማ። እንስሳ ንእንስሳ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይዀኑ።
11 ካብቶም ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ዘይቕረቡ ርኹሳት ዘበሉ እንስሳ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ፡
12 ጽቡቕ እንተ ዀይኑ ወይ ክፋእ፡ እቲ ኻህን ብመጠኑ ይገምግም። ኣታ ኻህን፡ ከም ገምጋምካ ኸምኡ ይኹን።
13 ኪብጀዎ እንተ ደለየ ኸኣ፡ ሓምሳይ ኢድ እቲ ገምጋምካ ይወስኸሉ።
14 ሰብ ቤቱ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን ይገምግማ። ከምቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም።
15 እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ደለየ፡ ነቲ ዝገምገምካዮ ብሩርስ ሓምሳይ ኢድ ይወስኸሉ እሞ ናቱ ትኹን።
16 ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ፡ እቲ ገምጋምካ ኸም መጠን ዘርኣ ይኹን፡ ሆሜር ስገም ዜዝርእ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይተሐሰብ።
17 ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ ጀሚሩ እንተ ቐደሳ፡ ከምቲ ገምጋምካ ይቑም።
18 ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐደሳ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብፍቕዲ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋምካ ኸኣ ይጒደል።
19 እቲ ግራቱ ዝቐደሰ ኺብጀዋ እንተ ደለየ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገምገምካዮ ዋጋኣ ሓምሳይ ኢድ ይወስኽ፡ ኣብኡ ኸኣ ትቑም።
20 ነታ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ነታ ግራት ናብ ካልእ ሰብ እንተ ሸጣ፡ ድሕሪ እቲ ኺብጀዋ ኣይከኣሎን እዩ።
21 ብዓመት እልልታ ምስ ወጸት ግና፡ ከም እተሐርመት ግራት ንእግዚኣብሄር ትቀደስ እሞ ርስቲ ኻህን ትኹን።
22 ካብ ግራት ርስቱ ዘይኰነት እተሻየጣ ግራት ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ ድማ፡
23 ሽዑ እቲ ኻህን ነቲ ዋጋ ገምጋምካ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እቲ ዋጋ ገምጋምካ ንእግዚኣብሄር ከም እተቐደሰ ገይሩ ይሀብ።
24 ብዓመት እልልታ ግና እታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብቲ እታ ምድሪ ርስቱ ዝነበረት ትመለስ።
25 ኲሉ ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ይኹን፡ እታ ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ ትኹን።
26 በዂሪ እንስሳ ግና፡ በዂሪ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ፡ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኰነ፡ ሰብ ኪቕድሶ ኣይከአልን። ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
27 ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ዀነ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገምጋምካ ሓምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጀዎ። እንተ ዘይተበጀወ፡ በቲ ገምጋምካ ይሸየጥ።
28 ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሐረሞ ዂሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝዀነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ወይ ግራት ርስቱ ዝዀነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሐርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
29 እተሐርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ።
30 ኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።
31 ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ደለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ።
32 ዕሽር ኲሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን፡ ዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሐልፍ ኲሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን።
33 ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለውጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ።
34 እቲ እግዚብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛት እዚ እዩ።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...