ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ኦሪት ዘኍልቍ (Numbers)

ሙሴን እስራኤላውያንን ካብ ከረን ሲና ናብ ወሰን እታ መብጽዓ እተገብረላ ምድሪ ከነኣን ድሕሪ ምጕዓዞም ቍጽርታት ይበዝሕ። ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ ዜማርሩ እንተ ዘይኰይኖም እቲ ጕዕዞ ኽልተ ሰሙን ጥራይ እዩ ዚወስድ ነይሩ ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ኽልተ ሰሙን 40 ዓመት ዚወስድ ስለምንታይ ምዃኑ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ ። እቶም ህዝቢ ኣብ ፍርቂ መገዲ ምስ በጽሑ ሙሴ ንሒደት ሰለይቲ ናብታ ምድሪ ሰዲዱ ነቲ ዚመጽእ ዝነበረ ወራር ኪረኽብዎ ለኣኾም። መብዛሕትኦም እቶም ሰለይቲ ከነኣናውያን ካብ እስራኤላውያን ዝሓየሉ ኸም ዝዀኑ ብምግላጽ ብፍርሂ ተመልሱ። እዚ ኸኣ ናዕቢ ኣለዓዓለ እቶም ህዝቢ ድማ ኵሎም ዚቕተሉ ንምድሪ እስራኤል ከኣ ዋላ ሓደ ኺቈጻጸራ ዘይክእል ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ነታ ምድሪ ምሓዝ ኣበዩ ። ብሰንኪ እዚ ዕልዋ እዚ ኣምላኽ ብዘሎ እቲ ወለዶ ኣብ በረኻ ኸም ዚመውት ብዘይካ እቶም ናይ መጻኢ ደቆም ከኣ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ዘይኣቱ መሓለሎም።

ኦሪት ዘኍልቍ (Numbers)

1 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ተባዕታይ ዘበለ ነንርእሲ ኸም ቊጽሪ ስሞም ናይ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቊጽሪ ውሰድ።
3 ንስኻን ኣሮንን፡ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ኪወጹ ዚኽእሉ በብሰራዊቶም ቊጸሮም።
4 ኣብ ማይ ቤት ኣቦታቱ ዋና ዚኸውን ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ ምሳኻትኩም ይኹን።
5 እቶም ምሳኻትኩም ደው ዚብሉ ሰባት ድማ ስሞም እዚ እዩ፡ ካብ ሮቤል፡ ኤሉጹር ወዲ ሸዴውር።
6 ካብ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ”
7 ካብ ይሁዳ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ።
8 ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል ወዲ ጹዓር።
9 ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ ወዲ ሔሎን።
10 ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ። ካብ ምናሴ፡ ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር።
11 ካብ ብንያም፡ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ።
12 ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ።
13 ካብ ኣሴር፡ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን።
14 ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል።
15 ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን።
16 እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ፡ ሹማምቲ ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል ነበሩ።
17 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተጸውዑ ሰባት ወሰዱ።
18 ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም ተቘጺሮም ተጻሕፉ።
19 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና ቘጸሮም።
20 ወለዶ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም ተባዕትዮ፡
21 እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተቘጽሩ ኣርብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።
22 ወለዶ ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም ተባዕትዮ፡
23 እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኰኑ።
24 ወለዶ ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
25 እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተቘጽሩ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።
26 ወለዶ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
27 እቶም ካብ ነገድ ይሁዳ እተቘጽሩ፡ ስብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኰኑ።
28 ወለዶ ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ኵሎም፡
29 እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተቔጽሩ፡ ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
30 ወሎዶ ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ በብ ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞን እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
31 እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
32 ደቂ ዮሴፍ፡ ወለዶ ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
33 እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተቘጽሩ፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።
34 ወለዶ ደቂ ምናሴ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
35 እቶም ካብ ነገድ ምናሴ እተቘጽሩ፡ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ።
36 ወለዶ ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም።
37 እቶም ካብ ነገድ ብንያም እተቘጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
38 ወለዶ ደቂ ዳን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
39 እቶም ካብ ነገድ ዳን እተቘጽሩ፡ ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።
40 ወለዶ ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
41 እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተቘጽሩ፡ ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።
42 ወለዶ ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
43 እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
44 እቶም እተቘጽሩ፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰባት መሳፍንቲ እስራኤልን ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ሓሓደ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቱ እዮም።
45 እሞ ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቘጽሩ ዝዀኑ ዅሎም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ዚወጹ ዅሎም፡
46 እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።
47 ሌዋውያን ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተቘጽሩን።
48 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪብዎ ነበረ እሞ፡
49 ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይትቚጸሮም፡ ቊጽሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትጸብጽቦ።
50 ንሌዋውያን ግና ንስኻ ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቓሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ዅሉን ኣመዝዞም። ንሳቶም ነቲ ማሕደርን ንዅሉ ኣቓሑኡን ይጹሩ። ንእኡ ኸኣ ንሳቶም የገልግሉ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ።
51 እቲ ማሕደር ምስ ዚነቅል፡ ሌዋውያን የውርድዎ። እቲ ማሕደር ምስ ዚሰፍር ከኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ጓና እንተ ቐረቦ ድማ፡ ይሙት።
52 እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ሰሰንደቕ ዕላማኡ መምስ ሰራዊቶም ይስፈሩ።
53 ሌዋውያን ግና ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቊጥዓ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ። ሌዋውያን ከኣ ነቲ ማሕደር ምስክር ይሐልውዎ።
54 ደቂ እስራኤልን ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ገበሩ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2 ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጠጥቓ ሰንደቕ ዕላማኡን ኣብ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ምልክትን ይስፈሩ። ኣብ መንጽር ድንኳን ምርኻብ ብዙርያኡ ይስፈሩ።
3 እቶም ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ዚሰፍሩ፡ ከም ሰራዊቶም ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ ይኹን። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።
4 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበሩ።
5 ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዩ።
6 ሰራዊቱን እቶም ቊጽራቱን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
7 ነገድ ዛብሎን ከኣ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዩ።
8 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቱን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
9 እቶም ቊጹራት ሰፈር ይሁዳ ዅሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሹድሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዐዙ።
10 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ሮቤል፡ ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዩ፡
11 ሰራዊቱን እቶም ቚጹራቱን ኣርብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
12 ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ስምኦን ይኹኑ፡ ሹም ደቂ ስምኦን ደቂ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ።
13 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበሩ።
14 ነገድ ጋድ ድማ፡ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ።
15 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።
16 እቶም ቊጽራት ሰፈር ሮቤል ኲሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ዀይኖም ይጐዐዙ።
17 ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዐዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ይጐዐዙ።
18 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ኤፍሬም ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዩ።
19 ሰራዊቱን እቶም ቊጽራቶምን ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
20 ምስኡ ገጢሙ ኸኣ ነገድ ምናሴ፡ ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር እዩ፡
21 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቱን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
22 ድማ ነገድ ብንያም፡ ሹም ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊዴዖኒ እዩ፡
23 ሰራዊቱን እቶም ቊጽራቶምን ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
24 እቶም ቊጹራት ሰፈር ኤፍሬም ኲሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሾሞንተን ሽሕን ሓደ ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ዀይኖም ይጐዐዙ።
25 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ዳን ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ፡
26 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ነበሩ።
27 ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ከኣ ጳግዔል ወዲ ዖክራን እዩ።
28 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
29 ነገድ ንፍታሌም ድማ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዩ።
30 ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
31 እቶም ቊጹራት ሰፈር ዳን ኲሎም ሚእትን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኰይኖም ይጐዐዙ።
32 እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቘጽሩ እዚኣቶም እዮም። እቶም ኣብ ሰፈር በብሰራዊቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
33 ሌዋውያን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ኣይተቘጽሩን።
34 ደቂ እስራኤል ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ገበሩ፡ ከምኡ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፡ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ተጓዓዙ።

1 በታ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና እተዛረበላ መዓልቲ፡ ወለዶ ኣሮንን ሙሴን እዚ እዩ።
2 ስም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፡ ናዳብ እቲ በዅርን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን።
3 ስም እቶም እተቐብኡ ኻህናት፡ ንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ።
4 ናዳብን ኣቢሁን ከኣ ኣብ በረኻ ሲና ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጋሻ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ፡ ውሉድ ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታማርን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኦም ኣሮን ብኻህነት የገልግሉ ነበሩ።
5 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
6 ንነገድ ሌዊ ናብዚ ኣቕርቦ፡ ምእንቲ ኼገልግልዎ ኣብ ቅድሚ ኣሮን ካህን፡ ደው ኣብሎም።
7 በቲ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መዙን መዚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ይሐልዉ።
8 ኲሉ ኣቕሓ ድንኳን ምርኻብን መዚ ደቂ እስራኤልን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ይሐልዉ።
9 ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም፡ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ብመልኦም ንእኡ ተወፍዮም እዮም።
10 ንኣሮንን ንደቁን ድማ እቲ ናይ ክህነቶም ኪሕልዉ ኣመዝዞም። ጓና እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት።
11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
12 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሲደዮም እየ እሞ፡ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።
13 በዅሪ ዝዀነ ዅሉ ንኣይ እዩ እሞ፡ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡ ኲሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፡ ንኣይ ቀዲሰዮ እየ፡ ንኣይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
14 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
15 ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቊጸሮም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቊጸሮም።
16 ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ገይሩ ቘጸሮም።
17 ደቂ ሌዊ በብስሞም እዚኣቶም እዮም፡ ጌርሾንን ቃሃትን መራሪን።
18 ስም ደቂ ጌርሾን ድማ በብዓሌቶም እዚ እዩ፡ ሊብኒን ሺምዒን።
19 ደቂ ቃሃት ድማ በብዓሌቶም፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን እዮም።
20 ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶም፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም።
21 ካብ ጌርሾን ዓሌት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም።
22 ቊጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ቊጹራት ተባዕትዮ፡ እቶም ቊጹራቶም ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዮም።
23 ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ይስፈሩ።
24 ሹም ማይ ቤት ኣቦ ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ።
25 ሓለዋ ደቂ ጌርሾን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ድማ ነቲ ማሕደርን መኽደኒኡን መደረብታኡን መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን።
26 መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማድን ናይ ኲሉ ኣገልግሎት እዩ።
27 ካብ ቃሃት ድማ ዓሌት ኣምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ሔብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ቃሃታውያን እዮም።
28 እቶም ሓለዋ መቕደስ ዚሕልዉ ዝነበሩ ኻብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘጽሩ፡ ሾሞንተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ኰኑ።
29 ዓሌታት ደቂ ቃሃት ንማሕደር ብሸነኽ ደቡቡ ይስፈሩ።
30 ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት ቃሃታውያን ድማ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዚኤል እዩ።
31 ሓለዋኦም ድማ ታቦታትን ሰደቓን ቀዋሚ ቐንዴልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዜገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑን እቲ መጋረጃን ናይ ኲሉ ኣገልግሎቱን እዩ።
32 ሹም ሹማምቲ ሌዋውያን ከኣ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም ሓለዋ መቕደስ ዚሕልዉ፡ ገበዞም ይኹን።
33 ካብ መራሪ፡ ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም።
34 ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘጽሩ፡ እቶም ቊጽራቶም ሹድሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ።
35 ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት መራሪ፡ ጹሪኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ንማሕደር ብሸነኽ ሰሜኑ ይስፈሩ።
36 እተመዘዝዋ ሓለዋ ደቂ መራሪ ድማ ንኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ኲሉ ኣቓሑኡን ናይ ኲሉ ኣገልግሎቱን፡
37 ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻውልቱን ኣግማዱን እዩ።
38 እቶም ኣብ መንጽር ማሕደር ብምብራቑ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ፡ ብሸነኽ ምውጻእ ጸሓይ ዚሰፍሩ፡ ሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ ሓለዋ ደቂ እስራኤል ኣብ መቕደስ ዚሕሎ ይሕልዉ ነበሩ። ጓና ናብኡ እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት።
39 እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘጸርዎም፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኰኑ።
40 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ኲሎም ተባዕትዮ በዅሪ ደቂ እስራኤል ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለዉ ቚጸር፡ ቊጽሪ ስሞም ድማ ውሰድ።
41 ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሎም በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ በዅሪ ማል ደቂ እስራኤል ንኣይ ውሰዶም።
42 ሙሴ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ቈጸረ።
43 ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ በዅሪ ተባዕታይ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ቊጹራቶም ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኰኑ።
44 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
45 ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ማሎም ውሰድ፡ ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚብሄር እየ።
46 በጃ እቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ቊጽሪ ሌዋውያን ዝሐለፉ ኸኣ፡
47 ነንርእሲ ሓሙሽተ ሲቃል ውሰድ፡ ብሲቃል መቕደስ ውሰድ፡ ሲቃል ዕስራ ጌራ እዩ።
48 ናይቶም ሕልፊ ዝዀኑ ኸኣ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም።
49 ሙሴ ድማ ካብቶም ብሌዋውያን እተበጀዎም ሕልፊ ዝዀኑ፡ ገንዘብ በጃ ወሰደ።
50 ካብ በዅርታት ደቂ እስራኤል ብሲቃል መቕደስ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ሲቃል ገንዘብ ወሰደ።
51 ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም።

 

1 እግዚብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2-3 ካብ ማእከል ደቂ ሌዊ ንደቂ ቃሃት በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ናብ ዕዮ ኺአትዉ ዚኽእሉ ዅሎም፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ።
4 ኣገልግሎት ደቂ ቃሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር እዚ እዩ፡
5 እቲ ሰፈር ምስ ዚነቅል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ብእኡ ይኽደንዎ፡
6 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቈርበት ታሃስ ይግበሩሉ፡ ኲለንትናኡ ሰማያዊ ዝዀነ ዓለባ ኸአ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱውን የእትዉሉ።
7 ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ሒላባትን ጭሔሎታትን ጽውኣትን እቲ ንመስዋእቲ መስተ ዚኸውን ኲስኲስትታትውን ይስርዑ፡ እቲ ናይ ውርትግ እንጌራ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።
8 ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ግምጃ ይዘርግሑሉ፡ ንእኡ ኸኣ ብቘርበት ታሃስ እተገብረ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፡ እቲ መሰላታቱውን የእትዉሉ።
9 ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ቅልዒ ቐነዲሉን መሳቐዪኡን መዋህለል ርስሓቱን እቲ ዅሉ ዜገልግሉሉ፡ ናይ ዘይቲ ኣቓሑኡ ኸኣ ይኽደኑ።
10 ምስ ኲሉ ኣቓሑኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መኽደኒ ናይ ታሃስ ቈርበት የንብርዎ፡ ኣብ መሰላ ኸኣ ይግበርዎ።
11 ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፡ መኽደኒ ድማ ብቘርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትዉሉ።
12 ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ ይግበርዎ፡ መኽደኒ ኸኣ ብቘርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ ኣብ መሰላውን ይግበርዎ።
13 ነቲ ሓመዅስቱ ድማ ካብ መሰውኢ ይጕሐፍዎ፡ ቀይሕ ዓለባ ኸኣ ይዘርግሑሉ።
14 እቲ ዜገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑኡ ኸኣ፡ ጽንሃታትን ሻኳታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን፡ ኲሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መኽደኒ ቘርበት ታሃስ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትዉሉ።
15 ኣሮንን ደቁን ምኽዳን መቕደስን ኲሉ ኣቓሑ መቕደስን ምስ ፈጸሙ፡ እቲ ሰፈር ድማ ምስ ዚነቅል፡ ድሕርዚ ደቂ ቃሃት ኪጾሩ ይምጽኡ። ከይሞቱ ግና፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ኣይተንክይዎ። ናይ ድንኳን ምርኻብ ጾር ደቂ ቃሃት እዚ እዩ።
16 መዚ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብቲ ንቐዋሚ ቐንዴል ዚኸውን ዘይትን ኣብቲ ምኡዝ ዕጣንን ኣብቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ዘይቲ ቕብኣትን፡ ኣብ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፡ ኣብ መቕደስን ኣብ ኣቓሑኡን ይኹን።
17 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
18 ነገድ ዓሌታት ቃሃታውያን ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም።
19 ናብ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር ምስ ዚቐርቡ፡ ከይሞቱ፡ ብህይወት ደኣ ኺነብሩ፡ እዚ ግበረሎም፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣኣገልግሎቱን ጸጾሩን የመልክትዎም።
20 ግናኸ ከይሞቱ፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ቅጽበት ዓይኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ንምርኣዩ ኣይእተዉ።
21 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
22 ደቂ ጌርሾን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቊጽሮም ውሰድ።
23 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፡ ንዕዮ ዚበቕዑ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ቊጸሮም።
24 እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሾናውያን ንምግልጋልን ንምጽዋርን እዚ እዩ፡
25 እቲ ዓለባታት ማሕደርን ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚድረብ ቈርበት ታሃስን፡ እቲ መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን፡
26 እቲ መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኲሉ ኣቓሑ ኣገልግሎቶምን ይጹሩ፡ ናይቲ ብኣታቶም ዚግበር ኲሉ ብእኡ የገልግሉ።
27 ናይ ደቂ ጌርሾናውያን ኲሉ ጾርን ኲሉ ዕዮኦምን ብዅሉ ኣገልግሎቶም ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ብጾሮም ዘበለ ዅሉ ኺሐልዩ ኣመዝዝዎም።
28 ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ እቲ ሓለዋኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
29 ንደቂ መራሪ ኸኣ በብዓሌቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቊጸሮም።
30 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚአትዉ ዅሎም ቊጸሮም።
31 ሓለዋ ጾሮም ብዅሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ ኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን፡
32 ኣዕኑድ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ኣእጋሩን ሽካውልቱን ኣግማዱን ስም ኲሉ ኣቓሑኡን ምስቲ ዚዐዩሉ ዘበለ ዅሉን፡ እቲ ዚሕልውዎን ዚጾርዎን ኣቓሑ በብስሙ ቚጸርዎ።
33 እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ መራሪ እዚ እዩ። ኲሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
34-35 ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ንደቂ ቃሃታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚአትዉ ዅሎም ቈጸርዎም።
36 እቶም ካባታቶም በብዓሌቶም እተቘጽሩ ኽልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።
37 እቶም ካብ ዓሌታት ቃሃታውያን እተቘጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዅሎም፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም።
38 እቶም ካብ ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቘጽሩ ድማ፡
39 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚአትዉ ዅሎም፡
40 እቶም በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካባታቶም እተቘጽሩ፡ ክልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ።
41 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሾን እተቘጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዅሎም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም።
42 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቘጽሩ ድማ፡
43 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚአትዉ ዅሎም፡
44 እቶም በብዓሌቶም ካባታቶም እተቘጽሩ ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ።
45 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተቘጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ሙሴን ኣሮንን ዝቘጸርዎም፡ እዚኣቶም እዮም።
46 እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እስራኤልን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ዝቘጸርዎም፡
47 ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብቲ ዚዕየ ዕዮ ኼገልግሉ፡ ድማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብምጽዋር ኬገልግሉ ዚአትዉ ዅሎም፡
48 እቶም ካባታቶም እተቘጽሩ ሾሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ኰኑ።
49 ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ነፍሲ ወከፍ ነንኣገልግሎቱን ነንጾሩን ተቘጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ተቘጽሩ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንዅሉ ለምጻምን ንዅሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ዅሉን ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
3 ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ ኣውጽእዎም፡ ነቲ ኣብ ማእከሉ ዝሐድሮ ዘሎኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም።
4 ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ፡ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።
5 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
6 ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ሰብ ካብ ዚገብሮ ሓጢኣት ኲሉ ብምግባሩ ንእግዚኣብሄር ምስ ዚዕግብ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ በዳሊት ኰነት፡
7 ሽዑ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣቶም ይናዘዙ፡ እቲ ዝበደሎ ብመልኡ ይምለሶ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕምሻኡ ይወስኽ፡ ነቲ ዝበደሎ ኸኣ ይሀቦ።
8 እቲ እተበደለ ነቲ ዚምለሶ ገንዘብ ዚወርሶ ዜብሉ እንተ ዀነ፡ እቲ ዚምለስ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ብጀካ እቲ ንሱ ዚዕረቐሉ ድዑል መተዓረቒ ንኻህን ይኹን።
9 ኲሉ ዚለዐል መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ካብ ኲሉ ቅዱስ ነገር ናብ ካህን ዜምጽእዎ ንእኡ ይኹን።
10 ዝዀነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፡ ሰብ ንኻህን ዚህቦ ዘበለ ንእኡ ይኹን።
11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
12 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፡ ዓገብ ከኣ እንተ ዐገበቶ፡
13 ካልእ ሰብአይ ምስኣ ደቂሱ ድማ ብስጋ እንተ ተራኸባ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለ፡ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት፡ ምስክር ድማ እንተ ዘይተረኽባ፡ ኣብቲ ግብሪውን እንተ ዘይተታሕዘት፡
14 መንፈስ ቅንኣት ድማ እንተ መጾ፡ ንሳ ብምርካሳ ኸኣ ብሰበይቱ እንተ ቐንኤ፡ ወይ ንሳ ኽይረኸሰት ከላ፡ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ድማ እንተ ቐንኤ፡
15 ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ፡ ብዛዕባኣ ኸኣ ዓስራይ ኢድ ኤፋ ሓርጭ ስገም ንመስዋእቲ የምጽእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ክፍኣት ዜዘክር መስዋእቲ ብልዒ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይከዐዎ፡ ዕጣንውን ኣይገበሮ።
16 እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ።
17 እቲ ኻህን ድማ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፡ ካብቲ ኣብ ምድርቤት ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸኣ ኣብቲ ማይ ይግበር።
18 እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢዳ የንብሮ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሐዝ።
19 እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣ ይበላ፡ ሰብኣይ እንተ ዘይደቀስኪ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንት ዄንኪ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኪ።
20 ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡
21 ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላ፡ እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑ፡ ንኸብድኺ ድማ ብምንፋሑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ፡
22 ንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ፡ ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን ኣሜን፡ ትበል።
23 እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፎ፡ በቲ መሪር ማይ ከአ ይደምስሶ።
24 ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ የስትያ፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ድማ ይአትዋ እሞ ኪመራ እዩ።
25 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋኣቲ ብልዒ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ይወዝውዞ፡ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ።
26 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ምሉእ ኢድ ወሲዱ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ድሕሪ እቲ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ።
27 ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ዀይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ኣትዩ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕ፡ ሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን።
28 እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ።
29 ሕጊ ቕንኣት እዚ እዩ፡ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ ኸላ ጠሊማቶ ምስ እትረክስ፡
30 ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ኸኣ እንተ ቐንኤ፡ ሽዑ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ድማ እዚ ሕጊዚ ብዘሎ ይግበረላ።
31 እቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ክፍኣት ንጹህ ይኸውን፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ክፍኣታ ትጸውር፡

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ናዝራዊ ኪኸውን ንእግዚኣብሄር ኪፍለ እንተ ተመባጽዔ፡
3 ካብ ወይንን ካብ ዜስክር መስተን ይፈለ፡ ዝመጸጸ ወይኒ ዀነ ወይ ዝመጸጸ ዜስክር መስተ ኣይስተ፡ ገለ ኻብ ወይኒ እተጸምቈ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ ድማ ብሰዊቱ ዀነ ወይ ብንቚጹ ኣይብላዕ።
4 ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ፍሬኡ ዀነ ገፈሉ ዀነ፡ ገለ ኻብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ።
5 ብዅለን መዓልታት መብጽዓ ናዝራዊነቱ መላጸ ናብ ርእሱ ኣይሕለፍ፡ እተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣ፡ ቅዱስ ይኹን፡ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ የንውሕ።
6 በተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን ኲለን መዓልትታት ናብ ምዉት ሰብ ኣይእቶ።
7 ናዝራዊነቱ ንኣምላኽ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ በቦኡን በዲኡን ብሓዉን ብሓብቱን ብሞቶም ኣይርከስ።
8 ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።
9 ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተ እሞ ርእሲ ናዝራዊነቱ እንተረኸሰ፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ።
10 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ናኣሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን የምጽእ።
11 እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውእ። ካብቲ በቲ ምዉት ዝገበሮ ሓጢኣት የተዐርቆ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ።
12 መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንእግዚኣብሄር ይፍለ፡ ንመስዋእቲ በደል ድማ ገንሸል ዓመት የምጽእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፡ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ከንቱ ዀና።
13 ሕጊ ናዝራዊ ኸኣ እዚ እዩ፡ መዓልትታት ናዝራዊነቱ ምስ መልአ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ።
14-15 መስዋእቱ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ ጐደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ጐደሎ ዜብላ ሽበን ዓመት፡ ንመስዋእቲ ምስጋናውን ጐደሎ ዜብሉ ድዑል፡ ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ዘይበዅዔ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበዅዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።
16 እቲ ኻህን ከኣ ናብ ቅድሚ እግዚብሄር የቕርቦ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣቱን ንዚሐርር መስዋእቱን ይሰውኣዮ።
17 ነቲ ድዑል ድማ ምስቲ ዘይበዅዔ መሶብ እንጌራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኣዮ። እቲ ኻህን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ከኣ ይሰውእ።
18 እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ርእሲ ናዝራዊነቱ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይላጽዮ። ነቲ ጸጕሪ ርእሲ ናዝራዊነቱ ወሲዱ ኸኣ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ የእትዎ።
19 ነቲ ናዝራዊነቱ ምስ ላጸየ ድማ፡ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ድዑል ይውሰድ። ካብቲ መሶብ ከኣ ሓደ ዘይበዅዔ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዔ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብር።
20 እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምውዝዋዝ ይወዝውዞ። እዚ ምስቲ ዚውዝወዝ ሓኸለን ዚለዐል እግርን ነቲ ኻህን ይቀደስ። ድሕርዚ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ይስተ።
21 ብጀካ እቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሕጊ እቲ እተመባጽዔ ናዝራውን ናይ ናዝራዊነት መስዋእቱ ንእግዚኣብሄርን እዚ እዩ። ከምቲ ሕጊ ናዝራዊነቱ፡ ከምቲ እተመባጽዖ መብጾዓ ኸምኡ ይግበር።
22 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
23 ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎም፡
24 እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን።
25 እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ።
26 እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካ፡ ሰላም ድማ ይሀብካ።
27 ከምዚ ገይሮም ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩ፡ ኣነ ከኣ ክባርኾም እየ።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝፈጸመላ መዓልቲ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቓሑኡ ድማ ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡
2 እቶም ሹማምቲ እስራኤል፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ንሳቶም ሹማምቲ እቶም ነገዳት፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ቊጹራት ዝነበሩ፡ ህያብ ኣቕረቡ፡
3 ህያቦም ሹድሽተ ኽዱናት ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ፡ ናብ ቅድሚ ማሕደር ኣቕረብዎ።
4 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
5 ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ንመዕየዪ ኪኸውን ካባታቶም ውሰዶ፡ ንሱ ኸኣ ንሌዋውያን ንነፍሲ ወከፍ ከከምቲ ኣገልግሎቱ ሀቦም።
6 ሙሴ ድማ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሀቦም።
7 ንደቂ ጌርሾን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሀቦም።
8 ንደቂ መራሪ ኸኣ ከም መጠን ኣገልግሎቶም ብትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣርባዕተ ሰረገላን ሾሞንተ ብዕራይን ሀቦም።
9 ንደቂ ቃሃት ግና፡ እቲ ኣገልግሎቶም ኣብ መቕደስ ኣብ መንኩቦም ብምጽዋር ነበረ እሞ፡ ገለ ኣይሀቦምን።
10 እቶም ሹማምቲ ኸኣ ንምቕዳስ እቲ መሰውኢ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ ህያብ ኣቕረቡ፡ እቶም ሹማምቲ ቚርባኖም ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቕረቡ።
11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ናይ ምቕዳስ መሰውኢ ቚርባኖም ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ የቕርቡ፡ በሎ።
12 እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ቚርባኑ ዘቕረበ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ እዩ።
13 ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
14 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
15 ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን።
16 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡
17 ንመስዋእቲ ምስጋናውን ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ።
18 ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናትናኤል ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ ኣቕረበ።
19 ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
20 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
21 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል መዓልትን፡
22 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡
23 ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ።
24 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኤልያብ ወዲ ሔሎን፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡
25 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
26 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
27 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት።
28 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
29 ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ።
30 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡
31 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሕሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
32 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
33 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
34 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
35 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዚ እዩ።
36 ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻይዳ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡
37 ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
38 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
39 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
40 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
41 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት። ቊርባን ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዚ እዩ።
42 ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል፡ ሹም ደቂ ጋድ፡
43 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
44 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
45 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
46 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ
47 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ኽልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ።
48 ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡
49 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኒ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
50 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
51 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
52 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
53 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ።
54 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡
55 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጸሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
56 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
57 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
58 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
59 ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር እዚ እዩ።
60 ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ፡ ሹም ደቂ ብንያም፡
61 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ።
62 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
63 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
64 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
65 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ እዚ እዩ።
66 ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ፡ ሹም ደቂ ዳን፡
67 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
68 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
69 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
70 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
71 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዚ እዩ።
72 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡
73 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ።
74 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
75 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
76 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
77 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን እዚ እዩ።
78 ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡
79 ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
80 ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
81 ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
82 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
83 ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዚ እዩ።
84 በታ መሰውኢ እተቐብኣላ መዓልቲ፡ ህያብ ሹማምቲ እስራኤል ንምቕዳሱ እዚ እዩ፡ ዓሰርተው ክልተ ጻሕሊ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጭሔሎ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ።
85 ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር ሚዛኑ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ ሰብዓ፡ ናይቲ ዅሉ ኣቓሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል ኰነ።
86 እተን ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኣ ነንጽዋእ ብሲቃል መቕደስ ዓሰርተ ሲቃል፡ ናይቲ ጽዋኣት ወርቂ ዅሉ ሚእትን ዕስራን ሲቃል ኰነ።
87 ኲሎም ኣብዑር ንዚሐርር መስዋእቲ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ዓሰርተው ክልተ ድዑል፡ ዓሰርተው ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቶም ዓሰርተው ክልተ ድቤላ፡
88 ኲሎም ኣብዑር መስዋእቲ ምስጋና ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዕ፡ ስሳ ድዑል፡ ስሳ ድቤላ፡ ስሳ ገንሸል ዓመት ኰነ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብኤ፡ ንምቕዳሱ እተዋህበ እዚ እዩ።
89 ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፡ ይዛረቦ ድማ ነበረ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንኣሮን ተዛረቦ በሎ ኸኣ፡ ቀነዲል ምስ እትሰቅል፡ እቲ ሾብዓተ ቐንዴል ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዚበርህ ግበሮ።
3 ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዚበርህ ገበሮ።
4 ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፡ ካብ ወርቂ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ፡ ንሱ ኣእጋሩ ዀነ ዕምባባኡ ዀነ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርአዮ ምስሊ ገበሮ።
5 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
6 ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ውሰዶም፡ ኣንጽሃዮም ከኣ።
7 ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፡ ማይ ንጽህና ንጸገሎም፡ ኣብ ብዘሎ ስጋኦም ድማ መላጸ የሕልፉ፡ ክዳውንቶም ይሕጸቡ ይንጽሁ ኸኣ።
8 ድሕርዚ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ይውሰዱ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ካልእ ዝራብዕ ውሰድ።
9 ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልውን ኣክቦ።
10 ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ።
11 ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፡ ነገልግሎት ዕዮ እግዚኣብሄር ኪዀኑ፡ ዚውዝወዝ መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም።
12 ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት የንብሩ፡ ንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዐርቖም ከኣ፡ እቲ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እቲ ኻልኣይ ከኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንእግዚኣብሄር ሰውኣዮም።
13 ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣቚሞም እሞ ንእግዚኣብሄር ዚውዝወዝ መስዋእቲ ጌርካ ወዝውዞም።
14 ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ኪኼኑስ፡ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።
15 ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተዉ እሞ ኣንጽሃዮም፡ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኸኣ ወዝውዞም።
16 ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ብመላኦም ንኣይ ተውሂቦም እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ማሕጸን ዚኸፍት ኩሉ፡ በኹሪ ዅሎም ድቂ እስራኤል፡ ንኣይ ወሲደዮም እየ።
17 ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ናተይ እዩ እሞ፡ በታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንዅሉ በዅሪ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስኩዎም።
18 ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንሌዋውያን ወሰድኩ።
19 ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም ናብ ደቂ እስራኤል መዓት ምእንቲ ኸይወርድ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎት ደቂ እስራኤል ኬገልግሉ እሞ ንደቂ እስራኤል ኬተዐርቕዎም፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከኣ ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ህያብ ሂበዮም ኣሎኹ።
20 ሙሴን ኣሮንን ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም፡ ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ኸምኡ ገበሩሎም።
21 ሌዋውያን ከኣ ነጽሁ፡ ክዳውንቶምውን ሐጸቡ። ኣሮን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞም፡ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዐረቐም።
22 ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ አተዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዘ፡ ከምኡ ገበሩሎም።
23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
24 ንሌዋውያን ዚግባእ እዚ እዩ፡ ካብ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ፡ ናብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተዉ።
25 ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ከኣ ካብ ዕዮ ኣገልግሎት ይመለስ፡ ድሕሪ ደጊም ኣየገልግል።
26 ኣብቲ ሓለዋ ኣሕዋቱ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ይሐግዝ፡ ኣብ ኣገልግሎት ግና ኣይዕየ። ንሌዋውያን በቲ ሓለዋኦም ከምኡ ግበረሎም።

 

1 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2 ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋስጋ የብዕሉ።
3 ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በቲ ምዱብ ግዜኡ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብዕልዎ። ከም ኲሉ ሕጋጋቱን ከም ኲሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።
4 ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ተዛረቦም።
5 ንሳቶም ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብ በረኻ ሲና ፋሲጋ ኣብዐሉ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ፡ ከምኡ ገበሩ።
6 ድማ ብምዉት ሰብ ዝረኸሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋስጋ ኼብዕሉ ዘይከአሉ ሰባት ነበሩ፡ ንሳቶም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ቀረቡ።
7 እቶም ሰባት እቲኦም ድማ፡ ንሕና ብምዉት ሰብ ረኺስና ኢና እሞ፡ በታ ምድብቲ ጊዜ መባእ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ እስራኤል ከይነቕርብ እተኸልከልና ስለምንታይ እዩ⋮ በልዎ።
8 ሙሴ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኽሰምዕሲ፡ ደው ኢልኩም ጽንሑ፡ በሎም።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
10 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝዀነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ብምዉት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እንተሎ፡ ንእግዚኣብሄር ፋስጋ የብዕል።
11 ንሱ ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኺመሲ ኸሎ የብዕሉ፡ ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።
12 ካብኡ ገለ ኽሳዕ ጽባሕ ኣይሕደጉ፡ ዓጽሙ ኸኣ ኣይስበሩ። ከም ኲሉ ሕጊ ፋስጋ ይግበርዎ።
13 ዝዀነ ሰብ፡ ንጹህ ክነሱ፡ ኣብ መገዲውን ዘይኰነ፡ ፋስጋ ዘየብዐለ፡ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜኡ ስለ ዘየቕረባ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ትመንቈስ። እቲ ሰብ እቲ ሓጢኣቱ ይጸውር።
14 ጓና ምሳኻትኩም ዚነብር እንተሎ፡ ፋስጋ ንእግዚኣብሄር ኬብዕል እንተ ደለየ፡ ከምቲ ናይ ፋስጋ ሕግን ስርዓትን ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።
15 በታ እቲ ማሕደር እተተኽለላ መዓልቲ ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር ደበና ኣጐልበቦ፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት ድማ ከም ትርኢት ሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ።
16 ወርትግ ከምኡ ነበረ፡ ደበና ኣጐልበቦ ብለይቲ ኸኣ ትርኢት ሓዊ።
17 እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተላዕለ፡ ድሕርቲ ደቂ እስራኤል ይጕዐዙ፡ እቲ ደበና ኣብ ዝቘመሉ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል አብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።
18 ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጕዐዙ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ብዝቘመሉ ጊዜ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይጸንሑ ነበሩ።
19 እቲ ደበና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ጸንሔ፡ ደቂ እስራኤል እቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ እሞ ኣይተጓዕዙን።
20 እቲ ደበና ቕሩብ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ነበረ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሰፊሮም ቀነዩ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓዕዙ።
21 እቲ ደበና ኻብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት እንተ ነበረ ኸኣ፡ እቲ ደበና ንግሆ ምስ ተላዕለ፡ ይጕዐዙ ነበሩ። ሓንቲ መዓልትን ሓንቲ ለይትን እንተጸንሔ፡ እቲ ደበና ምስ ተላዕለ፡ ሽዑ ተጓዕዙ።
22 እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ ማሕደር ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፡ ወይ ነዊሕ ጊዜ እንተ ደንጐየ፡ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይጸንሑ እምበር፡ ኣይጐዐዙን ነበሩ። ምስ ዚለዐል ግና፡ ይጕዐዙ፡ ነበሩ።
23 ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ይጕዐዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንኣኻ ክልተ መለኸት ብሩር ግበር፡ ብምቕጥቃጥ ስርሓዮ። ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ከኣ ንምጕዓዝን ይኹንካ።
3 ብእኡ ምስ ዚነፍሑ፡ ብዘሎ ኣኼባ ናባኻ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይተኣከብ።
4 ብሓደ ጥራይ እንተ ነፍሑ ኸኣ፡ እቶም ሹማምቲ። ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ ናባኻ ይተኣከቡ።
5መለኸት ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉ።
6 ካልኣይ ሳዕ ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ኸኣ፡ ብሸነኽ ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉ። ንምንቃሎም ኣንዊሖም ይንፍሑ።
7 እቲ ኣኼባ ምስ ዚእከብ ከኣ ንፍሑ፡ ግናኸ ኣይተንውሕዎ።
8 እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ መለኸት ይንፍሑ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም።
9 ምስቲ ዚጸቕጠኩም ጸላኢ ኽትዋግኡ ናብ ምድርኹም ምስ እትወጹ፡ ኣንዊሕኩም መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ትዝከሩ፡ ካብ ጸላእትኹም ከኣ ትድሕኑ።
10 ብመዓልቲ ሓጐስኩምን ብበዓላትኩምን ብመጀመርታ ኣዋርሕኩምን ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹምን መለኸት ንፍሑ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም ከኣ መዘከርታ ኪዀነልኩም እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
11 ኰነ ድማ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስክር ተላዕለ።
12 ሽዑ ደቂ እስራኤል ድማ ከከም ጕዕዞኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፡ እቲ ደበና ኸኣ ኣብ በረኻ ጳራን ቈመ።
13 ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ እቶም ቀዳሞት ነቐሉ።
14 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ይሁዳ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ቅድም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ።
15 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኢሳኮር ከኣ ናትናኤል ወዱ ጹዓር ነበረ።
16 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ሔሎን ነበረ።
17 ነቲ ማሕደር ከኣ ኣውረድዎ፡ ደቂ ገርሾንን ደቂ መራርን ድማ ነቲ ማሕደር ጾይሮም ተጓዕዙ።
18 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ሮቤል ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር ነበረ።
19 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከኣ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ።
20 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል ነበረ።
21 ቃሃታውያን ድማ ኣቓሑ መቕደስ ጾይሮም ተጓዕዙ፡ ክሳዕ ዚአትዉ ኸኣ እቲኣቶም ነቲ ማሕደር ኣቘምዎ።
22 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ድማ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ኸኣ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።
23 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር ነበረ።
24 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ።
25 ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ዳን ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ደጀን ኲሉ ሰፈር ኰይኑ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ።
26 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን ነበረ።
27 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን ነበረ።
28 ጕዕዞ ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም እዚ ነበረ፡ ተጓዕዙ ድማ።
29 ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጐዐዝ ኣሎና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ፡ በሎ።
30 ንሱ ድማ፡ ኣይከይድን፡ ንሃገረይን ናብ ትውልደይን ደኣ እኸይድ፡ በሎ።
31 ንሱ ኸኣ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና፡ ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ኣዒንቲ ኹነና።
32 ይኸውን ድማ፡ ምሳና እንተ ኸድካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ዚገብረልና፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ኢና፡ በለ።
33ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎም፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐደሞም።
34 ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ድማ፡ ደበና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
35 ኰነ ኸኣ፡ ታቦት ምስ ተላዕለ፡ ሙሴ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ፡ ጸላእትኻ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸልኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ፡ ይብል ነበረ።
36 ምስ ዚሰፍር ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኤል ተመለስ፡ ይብል ነበረ።

 

1 እቲ ህዝቢ ድማ ከም ኣጕረምረምቲ ዀነ፡ እዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተሰምዔ። እግዚኣብሄር ምስ ሰምዖ ድማ ኲራኡ ነደደ፡ ሓዊ እግዚኣብሄርውን ኣባታቶም ሃልሃል በለ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ ኸኣ በልዖም።
2 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፡ ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ጠፍኤ።
3 ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነደደ ድማ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ ተባህለት።
4 ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሐዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸኣ፡ እንበልዖ ስጋ መን ይህበና፡
5 እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ዘከርና፡
6 ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት።
7 እቲ ማና ኸእ ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፡ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ነበረ።
8 እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ፡ ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይጎድእዎ፡ እብ ቍራዕ ኣብሲሎም ከኣ ቅጫ ይገብርዎ ነበሩ ጣዕሙውን ከም ብዘይቲ እተገብረ ቅጫ ይጥዕም ነበረ።
9 ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዚወድቕ፡ ማና ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።
10 ሙሴ ድማ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኺበኽዩ ሰምዔ። ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኰይኑ ተራእየ።
11 ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒ፧ ጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፧
12 መጕዚት ንዚጠቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሐልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቚፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ፡ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧
13 እናበኸዩ፡ እንበልዕ ስጋ ሀበና፡ ይብሉኒ ኣለዉ። ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸ፡ ካበይ ክረኽቦ እየ፧
14 እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየ።
15 ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝዀኑ ንስኻ እትፈልጦም፡ ሰብዓ ሰብኣይ ኣክበለይ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ውሰዶም፡ ኣብኡ ምሳካ ደው ኣብሎም።
17 ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከንብር እየ፡ ንስኻ በይንኻ ኸይትጸሮ ድማ፡ ጾር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኺጾሩ እዮም።
18 ነዚ ህዝቢ ድማ በሎ፡ ንጽባሕ ተቐደሱ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም። እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፧ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ነበርና እናበልኩም፡ ምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኺህበኩም እዩ እሞ ክትበልዑ ኢኹም።
19 ሓደ መዓልቲ ኣይኰነን ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ፡
20 ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ እሞ ክሳዕ እትመንውዎ፡ ወርሒ ምሉእ እምበር፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕኩምዎን ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻእና፧ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኼኹምን እዩ።
21 ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዘሎኹ ህዝቢ ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኽህበኩም እየ፡ ትብል ኣሎኻ።
22 ንኣታቶም ዚአክል ጤለበጊዕን ኣሓንዶ ኺሕረድ እዩ፧ ወይ ንኣታቶም ኪኣክልሲ ዅሉ ዓሳ ባሕርዶ ኺእከብ ኰይኑ፧ በለ።
23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓጻር እያ፧ ሕጂ እቲ ቓለይ ዚዀነልካ እንተ ዀይኑ ወይ ዘይኰነልካ፡ ክትርኢ ኢኻ፡ በሎ።
24 ሙሴ ድማ ወጺኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ነቲ ህዝቢ ነገሮ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብኣይ ኣኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።
25 እግዚብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ንእኡ ተዛረቦ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሰደ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣንበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዐረፈ፡ ተነበዩ፡ ግናኸ ኣይደገምዎን።
26 ክልተ ሰብኣይ ድማ፡ ስም እቲ ሓደ ኤልዳድ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሜዳድ ዚብሀሉ፡ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ፡ ንሳቶም ካብቶም ጽሑፋት ነበሩ፡ ናብ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፡ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዐረፈ፡ ኣብ ሰፈር ከኣ ተነበዩ።
27 ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፡ ኤልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ይንበዩ ኣለዉ፡ ኢሉ ንሙሴ ነገሮ።
28 እያሱ ወዲ ነዌ፡ ካብ ንእሽቶኡ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ፡ ጐይታይ ሙሴ፡ ከልክሎም፡ ኢሉ መለሰ።
29 ሙሴ ግና፡ ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፧ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር፡ ኲሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከኣ ነብያት እንተ ዚዀኑ መን ምሀበ፡ በሎ።
30 ሙሴ ድማ፡ ንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ሰፈር ተመልሱ።
31 ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወጸ፡ ካብ ባሕሪ ኸኣ ብርኒጎታት ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ዚአክል በዚ፡ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረዶ፡ ምብራኹ ኸኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ።
32 እቲ ህዝቢ ድማ ተንስኤ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣን ለይቲ ብመልኣን ንጽብሒታውን መዓልቲ ብመልኣ ብርኒጎታት ኣከበ። እቲ ዘውሐደ ዓሰርተ ሆሜር ኣከበ፡ ኣብ ዙርያ ዅሉ ሰፈር ከኣ ሰጥሕወን።
33 እቲ ስጋ ገና ኣብ ኲርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸኣ፡ ኲራ እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም።
34 ነቶም ታፍላ ዝሐዞም ህዝቢ ኣብአ ቐቢሮምዎም እዮም እሞ፡ እታ ቦታ እቲኣ ቂብሮት-ሃታኣባ ተባህለት።
35 እቶም ህዝቢ ኻብ ቂብሮት-ሃታኣባ ንሓጸሮት ተጓዕዙ፡ ኣብ ሓጸሮት ከኣ ሰፈሩ።

1 ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
2 እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ።
3 እቲ ሰብኣይ፡ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።
4 ብኡብኡ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ዉጹ፡ በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ።
5 እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም፡ ክልቲኦም ከኣ ወጹ።
6 በሎም ድማ፡ ዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ።
7 ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ።
8 ብግልጺ እምበር፡ ብኽዉል ዘረባ ኣይኰነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈራህኩም፡
9 ኲራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ።
10 እቲ ደበና ኸኣ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሚርያም ለምጻም ኰነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ፡ እነሆ ኸኣ ለምጻም ኰይና ነበረት።
11 ሽዑ ኣሮን ንሙሴ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ስለቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮን ዝበደልናዮን፡ በጃኻ፡ ሓጢኣት ኣይተጹረና።
12 በጃኻ፡ ብምዉቱ ኸም እተወልደ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኺወጽእ ከሎ ፈረቓ ስጋኡ ኸም እተወድኤ ትኹን፡ ኣይትሕደጋ፡ በሎ።
13 ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ ኣሎኹ ኣሕውያ፡ ኢሉ ጨርሔ።
14 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲዶ ኣይምሐፈረትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ትተዐጾ፡ ደሓር ከኣ ትእቶ፡ በሎ።
15 ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዐጽወት። እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ፡ ኣይነቐለን።
16 ድሕርቲ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት ተጓዕዘ፡ ኣብ በረኻ ጳራን ድማ ሰፈረ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ዚስልዩ ሰባት ስደድ፡ ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓደ ሰብ፡ ኲሎም ካብቶም ሹማምቶም ይስደዱ።
3 ሙሴ ድማ ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም። እዞም ሰባት እዚኦም ኲሎም ሓላቑ ደቂ እስራኤል ነበሩ።
4 ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ሻሙዓ ወዲ ዛኩር፡
5 ካብ ነገድ ስምኦን ሻፋት ወዲ ሖሪ፡
6 ካብ ነገድ ይሁዳ ካሌብ ወዲ የፋነ፡
7 ካብ ነገድ ይሳኮር ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፡
8 ካብ ነገድ ኤፍሬም ሆሸዓ ወዲ ነዌ፡
9 ካብ ነገድ ብንያም ጳልጢ ወዲ ራፋ፡
10 ካብ ነገድ ዛብሎን ጋዲኤል ወዲ ሶዲ፡
11 ካብ ነገድ ዮሴፍ፡ ማለት ካብ ነገድ ምናሴ፡ ጋድ ወዲ ሱሲ፡
12 ካብ ነገድ ዳን ዓሚኤል ወዲ ግማሊ፡
13 ካብ ነገድ እሴር ስቱር ወዲ ሚካኤል፡
14 ካብ ነገድ ንፍታሌም ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፡
15 ካብ ነገድ ጋድ ግዉኤል ወዲ ማኪ።
16 ስም እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ንሆሼዓ ወዲ ነዌ፡ እያሱ ኣውጽኣሉ።
17 ሙሴ፡ ምድሪ ኸነኣን ኪስልዩ፡ ሰደዶም። በሎም ከኣ፡ ካብዚ ንደቡብ ኬድኩም ናብ ኣኽራን ደይቡ፡
18 እታ ሃገር ድማ ንሳ ኸመይ ከም ዝዀነት፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢውን ሓያል እንተ ዀይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ዀይኑ ወይ ብዙሕ፡
19 እታ ዚነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፡ ንሳ ጽብቕቲ እንተ ዀይና ወይ ሓማቕ፡ እተን ዚነብሩለን ከተማታት ከኣ ከመይ ምዃነን፡ ሰፈር እንተ ዀይነን ወይ ዕርድታት፡
20 እታ ምድሪውን ከመይ ምዃና፡ ንሳ ረጓድ እንተ ዀይና ወይ ረቃቕ፡ ኣእዋም እንተለዋ ወይ እንተ ዜብላ፡ ርአዩ። ትብዑ ኸኣ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ። እተን መዓልትታት እቲኤን ከኣ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዚበስለለን ግዝያት ነበራ።
21 ንሳቶም ከኣ ደይቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሃማት ዘላ ሬሖብ ሰለይዋ።
22 ናብ ደቡብ ከኣ ደየቡ፡ ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፡ ኣብአ ድማ ኣሒማን፡ ሼሻይን ታልማይን ደቂ ዓናቅ ነበሩ። ኬብሮን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብጺ ዘላ ጾዓን ተሰርሔት።
23 ናብ ርባ ኤሽኮል ከኣ መጹ፡ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪጾም፡ ክልተ ዀይኖም ብመሰላ ጾርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስን ከኣ ተማልኡ።
24 እታ ቦታ እቲኣ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዝቘረጽዎ ኣስካል፡ ለሰ ኤሽኮል ተባህለት።
25 ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ።
26 ከይዶም ከኣ ኣብ በረኻ ጳራን ኣብ ቃዴስ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን መጹ። ንኣታቶምን ንብዘሎ ኣኼባን እቲ ነገር ኣዛረብዎም፡ ፍረ እታ ምድሪውን ኣርኣይዎም።
27 ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተዉሉ፡ ናብታ ዝሰደድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸኣ እዚ እዩ።
28 ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፡ እተን ከተማታት ከኣ እተዐርዳን ኣዝየን ዓበይትን እየን፡ ኣብኡ ድማ ደቂ ዓናቅ ርኤና።
29 ኣብ ሃገር ደቡብ ኣማሌቅ ይነብር ኣሎ፡ ኣብ ኣኽራን ከኣ ሔታውያንን ይቡሳውያንን ኣሞራውያንን ይነብሩ ኣለዉ፡ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብሸነኽ ዮርዳኖስን ድማ ከነኣናውያን ይነብሩ ኣለዉ።
30 ካሌብ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦ፡ ኣጸቢቕና ንኽእላ ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፡ ድማ በለ።
31 እቶም ምስኡ ደይቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ንሱ ኻባና ዚሕይል እዩ እሞ፡ ናብቲ ህዝቢ እቲ ኽንድይብ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ።
32 ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ክፉእ ነገር ኣውረዩሎም፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ፡ ንሳ ነቶም ዚነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዝርኤናዮም ኲሎም ህዝቢ ኸኣ ነዋሕቲ ሰባት እዮም።
33 ኣብኣ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት፡ ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርኤና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ዀንና፡ ኣብ ኣዒንቶም ከኣ ከምኡ ነበርና።

 

1 ብዘለዉ እቶም ኣኼባ ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ጨርሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኺበኪ ሐደረ።
2 ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጕረምረሙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ በሎም፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ኸም ሞትና መን ምሀበና።
3 ንሕና ብሴፍ ክንወድቕ፡ ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ኪማረኹ፡ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና፧ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሕሸናን፧
4 ንሓድሕዶም ከኣ፡ ሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ፡ ተባሃሀሉ።
5 ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘላ እታ ማሕበር ኣኼባ ደቂ እስራኤል ብገጾም ተደፍኡ።
6 እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፋነን፡ ካብቶም ሰለይቲ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡
7 ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ።
8 እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ።
9 ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዜጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም።
10 ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ድንኳን ምርዃብ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ።
11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚንዕቀኒ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧
12 ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።
13 ሙሴ ኸኣ ንእግዚብሄር በሎ፡ እቶም ግብጻውያን፡ ንስኻ እኳ ነዚ ህዝቢ ኻብ ማእከሎም ብሓይልኻ ዘደየብካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም።
14 ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚነብሩ ድማ ኪነግሩ እዮም፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዘሎኻ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ከም እተርኤኻ፡ ደበናኻውን ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚቐውም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ከም እትኸይድ ድማ ሰሚዖም ኣለዉ።
15 ሕጂ ኸኣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም ንሓደ ሰብ ጌርካ እንተ ቐተልካዮ፡ ሽዑ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፡
16 እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ዝመሐለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሐረዶም፡ ኢሎም ኪዛረቡ እዮም።
17 ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ይዕበ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምዚ ኢልካ፡
18 እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓዪ፡ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ፡ ንሱ በደልን ሓጢኣትን ይቕረ ይብል፡ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ኽሳዕ ራብዓይን ወለዶ ይቐጽዕ እምበር፡ ንበዳሊ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን።
19 ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ሒዝካ ኽሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ፡ ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ዓብዪ ምሕረትካ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።
20 እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለ እየ።
21 ግናኸ ኣነ ብሓቂ ህያው እየ፡ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትመልኣ እያ፡
22 ኲሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፡ ድሮ ዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒ፡ ቃለይ ከኣ ኣይሰምዑን፡
23 ነታ ነቦታቶም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ከኣ ኣይርእይዋን፡ ካብቶም ዝነዐቑኒውን ሓደ እኳ ኣይርእያን።
24 ንባርያይ ካሌብ ግና፡ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ ፈጺሙውን ስለ ዝሰዐበኒ፡ ናብታ ኣትይዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪወርሳ እዩ።
25 ኣብ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ይነብሩ ኣለዉ እሞ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጐዐዙ።
26 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
27 ነዚ ዜጕረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መኣዝ ክጾሮ እየ፧ እቲ ደቂ እስራኤል ዜጕረምርሙለይ ምጕርምራም ሰሚዔ ኣሎኹ።
28 በሎም ከኣ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከምቲ ኣብ እዝነይ እተዛረብኩምዎ፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡
29 ኣቱም ዘጉረምረምኩምለይ ኲላትኩም እተቘጸርኩም፡ ከምቲ ዅሉ ቚጽርኹም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።
30 ናብታ ኣብኣ ከናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን።
31 ነቶም ምርኮ ኪዀኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ከእትዎም እየ፡ ነታ ዝነዐቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም።
32 ንስኻትኩም ግና፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።
33 ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም፡ ሬሳኹም ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ምንዝርናኹም ኪጾሩ እዮም።
34 ከም ቊጽሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰሌኹምለን መዓልታት፡ ኣርብዓ መዓልቲ፡ ሓንቲ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትጾሩ ኢኹም፡ ካባኻትኩም ከም ዝረሐቕኩ ኸኣ፡ ክትፈልጡ ኢኹም።
35 ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ፡ ነዚ ዅሉ ኣባይ ብሓደ እተሐባበረለይ ሕሱም ኣኼባ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፡ ኣብዚ በረኻ እዚ ኺውድኡ እዮም፡ ኣብኡውን ኪሞቱ እዮም።
36 እቶም ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረሙሉ፡
37 እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ብመቕዘፍቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
38 ካብቶም ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ብህይወት ተረፉ።
39 ሙሴ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ብዙሕ ሐዘነ።
40 ንብጊሓቱ ድማ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ በዲልና ኢና እሞ፡ እኔና ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣሎና፡ ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ።
41 ሙሴ ግና በሎም፡ ሕጂ ንስኻትኩም ስለምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ፧ ኣይቐንዓኩምን እዩ።
42 እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልኩም ኣይኰነን እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትስዐሩ፡ ኣይትደይቡ።
43 ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነአናውያንን ኣብ ቅድሜኹም ኣለዉ እሞ፡ ብሴፍ ክትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ስለ እተመለስኩም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ።
44 ንሳቶም ግና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይቡ ደፈሩ፡ ታቦት ኪዳን እግዚብሄርን ሙሴን ግና ካብ ሰፈር ኣይለቐቑን።
45 እቶም ኣብቲ ኸረን ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ቀጥቀጥዎም።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡
3 ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፡ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ ወይ ናይ በዓላትኩም ብኣሓ ወይ ብጤለበጊዕ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኽትገብሩ እንተ ትስውኡ፡
4 ሽዑ እቲ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ ንመስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብርብዒ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዔ፡ የቕርብ።
5 ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ምስቲ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ወይኒ ግበር።
6 ወይ ንድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ግበር።
7 ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ወይኒ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣቕርብ።
8 ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝራብዕ እንተ ኣቕረብካ፡
9 ሽዑ ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ብልዒ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብፈረቓ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ኣቕርብ።
10 ንመስዋእቲ መስተ ድማ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ፈረቓ ሂን ወይኒ ኣቕርብ።
11 ከምኡ ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንወጠጦ ይገበር።
12 ከም ቊጽሪ እቶም እትስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም ከም ቊጽሮም ግበሩ።
13 ወዲ ዓዲ ዘበለ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ምስ ዜቕርብ፡ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ይግበር።
14 ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእከልኩም ዚነብር፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ምስ ሓዊ ምስ ዜቕርብ፡ ንሱ ኸምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ፡ ከምኡ ይግበር።
15 ኣብታ ማሕበር ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓና ኸማኻትኩም ይኹን።
16 ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።
17 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
18 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡
19 ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ እንጌራ እታ ምድሪ ምስ እትበልዑ፡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ።
20 ካብ ቀዳማይ ብሑቚኩም ዚልዐል መስዋእቲ ሓደ ቕጫ ኣቕርቡ፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዚልዐል መስዋእቲ እትገብርዎ፡ ከምኡ ኣልዕልዎ።
21 ካብቲ ቐዳማይ ብሑቚኩም ንውሉድ ወለዶኹም ዚልዐል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሀቡ።
22-23 እተን ተጋጌኹም፡ እዚ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝነገሮ ዅሉ ትእዛዛት እዚ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዘኩም ኲሉ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሀበላ መዓልቲ ንንየው ከኣ ክሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሐሎኹምዎ፡
24 እዚ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ፡ ብጌጋ እንተ ተገብረ፡ ሽዑ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንዚሐርር መስዋእቲ ኸምቲ ስርዓቱ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ የቕርብ።
25 ንሱ ብጌጋ እተገብረ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መስዋእቶም፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም እሞ፡ እቲ ኻህን ከኣ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል የተዐርቕ፡ ሽዑ ይሕደገሎም እዩ።
26 ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብዘይ ፍልጠት እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ይሕደገሎም እዩ።
27 ሓደ ሰብ ብጌጋ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣርሕዶ ዓመት የቕርብ።
28 ነቲ ብጌጋ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ከኣ ንምትዕራቑ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ሽዑ ይሕደገሉ እዩ።
29 ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዚግበር ነገር ንወዲ ዓዲ ኻብ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።
30 ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ እቲ ብልዕልቲ ኢድ ሓጢኣት ዚገብር ሰብ ግና፡ ንሱ ንእግዚብሄር ኣዋሪዱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ይመንቈስ።
31 ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፡ ትእዛዙ ኸኣ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ንሱ ፈጺሙ ይመንቈስ፡ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።
32 ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕጨይቲ ኺአሪ ረኸቡ።
33 እቶም ዕጨይቲ ኺአሪ ዝረኸብዎ ኸኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባን ኣቕረብዎ።
34 እቲ ኺገብርዎ ዚግባእ ኣይተገልጸን ነበረ እሞ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።
35 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ሰብአይ እቲ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ፡ በሎ።
36 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኦ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ።
37 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
38 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ ንገሮም።
39 ነቲ ብእኡ ናብ ምንዝርና እትኸዱ ዘሎኹም፡ ደድሕሪ ድሌት ልብኹምን ዓይንኹምን ከይትስዕቡ፡ ንእኡ ርኢኹም ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ዘፈር መዘከሪ ይኹነልኩም።
40 ንዅሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ንኣምላኽኩም ከኣ ቅዱሳን ክትዀኑ እዩ።
41 ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

 

1 ቆራሕ ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቃሃት ወዲ ሌዊ፡ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብ፡ ኦን ከኣ ወዲ ጴሌት፡ ደቂ ሮቤል፡
2 ሓያሎ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሹማምቲ እቲ ኣኼባ፡ ብማሕበር እተጸውዑ ስሙያት ሰባት ሒዞም ንሙሴ ተላዕልዎ።
3 ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተኣኪቦም ድማ፡ ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ ኣሎኹም፧ በልዎም።
4 ሙሴ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ብገጹ ተደፍኤ።
5 ንቆራሕን ነቶም ኣኼባኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ እቲ ናቱ ዝዀነን እቲ ቕዱስን እቲ ናብኡ ዜቕርቦን መን ከም ዝዀነ፡ ኬፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሐረዮ ኸኣ ናብኡ ኬቕርቦ እዩ።
6 ከምዚ ግበሩ፡ ቆራሕን ብዘሎ ኣኼባኡን ጸጽንሃህኩም ውሰዱ፡
7 ጽባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ግበሩሉ፡ ዕጣን ከኣ ኣእትዉሉ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚሐርዮ ሰብኣይ፡ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ።
8 ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ በሎ፡ ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ ሕጂ ስምዑ።
9 ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ከተገልግሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ኢልኩም ከኣ ከተገልግልዎም፡ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኬቕርበኩም ኢሉ፡ ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩምዶ ውሒዱኩም እዩ፧
10 ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊ ድማ ምሳኻን ናብኡ ኣቕሪቡኩምሲ፡ ክህነትዶ ድማ ደሊኹም፧
11 ስለዚ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም እተኣከብኩም። ኣሮንከ፡ ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ፡ ንሱ እንታይ እዩ፧
12 ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ፡ ኪጽውዑሉ ለአኸ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይንድይብን፡ በሉ።
13 ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፡ ካብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውጻእካናዶ ውሒዱ እዩ፧ ኣብ ልዕሌና ኽትሽየምዶ ንርእስኻ ትሸይም፧
14 ብዝተረፈስ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኣየእቶኻናን። ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከኣ ኣየረስቴኻናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኦምዶ ኸተንቊር ደሊኻ ኢኻ፧ ኣይንድይብን።
15 ሙሴ ድማ ኣዝዩ ተናዲዱ ንእግዚኣብሄር፡ ናብ መስዋእቶም ኣይትጠምት፡ ካባታቶም ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ካባታቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፡ በሎ።
16 ሙሴ ድማ ንቆራሕ፡ ጽባሕ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባን፡ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተረኸቡ።
17 ነፍሲ ወከፍ ከኣ ጽንሃሁ ይውሰድ፡ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ጽንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፡ ንስኻን ኣሮንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ይውሰድ፡ በሎ።
18 ነፍሲ ወከፍ ከኣ ጽንሃሁ ወሰደ፡ ሓዊ ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ዕጣን ኣእተዉሉ፡ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከኣ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው በሉ።
19 ቆራሕ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣከቦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ ኣኼባ ተራእየ።
20 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡
21 ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኽውድኦም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
22 ሽዑ ንሳቶም፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ነፍሳት ኲሉ ስጋ፡ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፡ ንብዘሎ ኣኼባዶ ኽትቊጥዖ ኢኻ፧ ኢሎም ብገጾም ተደፍኡ።
23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
24 ነቲ ኣኼባ ኻብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግልሱ፡ ኢልካ ተዛረቦም።
25 ሙሴ ድማ ተንሲኡ ናብ ዳታንን ኣቢራምን ከደ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ሰዐብዎ።
26 ነቲ ኣኼባ ኸኣ፡ በጃኹም፡ ካብ ድንኳውንቲ እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ኣግልሱ፡ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸኣ ናቶም ዘበለ ኣይትተንክዩ፡ ኢሊ ተዛረቦም።
27 ንሳቶምውን ካብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግለሱ። ዳታንን ኣቢራምን ግና ወጺኦም፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ሕጻናቶምን ኣብ ኣፍ ድንኳውንቶም ደው በሉ።
28 ሙሴ ኸኣ፡ ካብ ፍቓደይ ዘይኰነ፡ ነዚ ዅሉ ግብሪ እዚ ኽገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም።
29 እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ እንተ ሞቱ፡ ወይ ንዅሉ ሰብ ዚበጽሕ ጥራይ እንተ በጽሖም፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣይለአኸንን።
30 እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፡ እዚኣቶም ምስ ዅሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ኪወርዱ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሐጠቶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዐቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ በለ።
31 ኰነ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደት፡
32 ምድሪ ኸኣ ኣፋ ኸፈተት፡ ንኣታቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆራሕ ሰብን ንዅሉ ገንዘቦምን ወሓጠቶም።
33 ንሳቶም ምስ ኲሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፡ ምድሪ ኸኣ ደፈነቶም፡ ካብ ማእከል ማሕበር ድማ ጠፍኡ።
34 እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ጭራሕምራሖም ሰሚዖም፡ ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና፡ ኢሎም ሀደሙ።
35 ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሓዊ ወጸ፡ ነቶም ዚዐጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
36 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
37 ንኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እቲ ጽንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንዳድ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሓዊ ኸኣ ናብዝን ናብትን ፋሕ ኣብሎ፡ በሎ።
38 ነቲ ጽንሃሃት ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ፡ እቲ መሰውኢ ብእኡ ኺልበጥ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ናብ ቅድሚ እግዚብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ፡ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ትእምርቲ ይኹን።
39 ኣልኣዛር ካህን ከኣ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ ጽንሃሃት ኣስራዚ ወሰደ፡ ንመለበጢ መሰውኡ ኪኸውን ከኣ ኣርቀቕዎ።
40 ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኰነ ጓና ሰብ ኪዐጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይቐርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ኣኼባኡን ከይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝበሎ፡ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን።
41 ንጽብሒቱ ድማ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልኩምዎ፡ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።
42 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ኣኼባ ናብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ምስ ተኣከበ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣቢሎም ግልጽ በሉ፡ እንሆ ድማ፡ ደበና ጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ።
43 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መጹ።
44-45 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ፍልይ በሉ፡ ኣነ ብቕጽበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ንሳቶም ብገጾም ተደፍኡ።
46 ሙሴ ኸኣ ንኣሮን፡ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቊጥዓ ወጺኡ፡ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፡ ጽንሃህካ ወሲድካ፡ ካብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፡ ዕጣን ከኣ ኣእትወሉ፡ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ኣኼባ ኺድ እሞ ኣተዐርቆም፡ በሎ።
47 ኣሮን ከኣ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፡ ጽንሃህ ወሰደ፡ ናብ ማእከል ማሕበር ድማ ጐየየ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፡ ዕጣን ገይሩ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣተዓረቖ።
48 ኣብ መንጎ ምውታንን ህያዋንን ደው በለ፡ እቲ መዓት ከኣ ዝግ በለ።
49 ብጀካ እቶም ብሰሪ ቆራሕ ዝሞቱ፡ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።
50 ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተመልሰ፡ እቲ መዓት ከኣ ዝግ በለ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ኻባታቶም ከካብ ማይ ቤት ኣቦታቶም በበትሪ፡ ካብ ኲሎም ሹማምቶም ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ዓሰርተው ክልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ በበትሩ ጽሐፍ።
3 ነንሹም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትኹን እሞ፡ ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጽሐፍ።
4 ናብቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝራኸበሉ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ ምስክር ከኣ ኣንብረን።
5 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ዝሐሬኽዎ ሰብኣይ፡ በትሩ ኽትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ዜጕረምርሙልኩም ምጕርምራም ከኣ ኣብ ቅድመይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
6 ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ ኲሎም ሹማምቶም ድማ ኣባትር በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነናይ ሹም ሓደ፡ ዓሰርተው ክልተ በትሪ ሀብዎ። በትሪ ኣሮን ከኣ ኣብ ማእከል ኣባትሮም ነበረት።
7 ሙሴ ድማ ነተን ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።
8 ኰነ ድማ፡ ሙሴ ንጽብሒቱ ናብ ድንኳን ምስክር ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሔት፡ ቈጽሊ ኸኣ ኣውጽኤት፡ ዕምባባውን ዓምበበት፡ ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈረየት።
9 ሙሴ ኸኣ ንዅለን ኣባትር ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ኣውጽኤን፡ ርእዮም ድማ ነፍሲ ወከፍ በትሩ ወሰደ።
10 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ኽትኰኖም፡ ንበትሪ ኣሮን፡ ኣብኡ ኽትሕሎ፡ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳ፡ በሎ።
11 ሙሴ ኸኣ እዚ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸምኡ ገበረ።
12-13 ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ጠፋእና፡ ኲልና ጠፋእና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኲልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፧ ኢሎም ተዛረብዎ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ንስኻን ደቅኻን ቤት ኣቦኻ ድማ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት መቕደስ ጹሩ። ንስኻን ደቅኻ ኸኣ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት ክህነትኩም ጹሩ።
2 ኣሕዋትካ ነገድ ሌዊ ነገድ ኣቦኻ ድማ፡ ምሳኻ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉኻ፡ ምሳኻ ኣቕርቦም፡ ንስኻ ግና፡ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር ኩኑ።
3 ንሳቶም ድማ ሓለዋኻን ሓለዋ ዅሉ ድንኳንን ይሐልዉ፡ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ናብ ኣቓሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ጥራይ ኣይቕረቡ።
4 ኣብ ኲሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም ኣብ ሓለዋ ድንኳን ምርኻብ ይሐልዉ፡ ጓና ግና ኣይቕረብኩም።
5 ድማ መሊሱ ዅራ ናብ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኸይመጽእሲ፡ ንስኻትኩም ሐለዋ መቕደስን ሓለዋ መሰውእን ሐልዉ።
6 እንሆ፡ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሰድክዎም፡ ንኣኻትኩም እተዋህቡ ህያብ እዮም፡ ንሳቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንእግዚኣብሄር ተወፈዩ።
7 ንስኻን ደቅኻ ኸኣ ምሳኻን ብናይ መሰውኢ ነገርን ውሽጢ መጋረጃ ዘበለን ክህነትኩም ሐልዉን ኣገልግሉን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ህያብ ሂበኩም እየ። ጓና እንተ ቐረበ ግና፡ ይሙት።
8 እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ሓለዋ እቲ ዚልዐል መስዋእተይ፡ እቲ ናይ ደቂ እስራኤል እተቐደሰ ዅሉ ነገር ክትሕሉ ሂበካ ኣሎኹ። ንኣኻ ብምቕባእ መሰል ዘለኣለም ገይረ ንደቅኻ ሂበዮ ኣሎኹ።
9 ካብቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ቅዱስ ቅዱሳን እዚ ንኣኻ ይኹን፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኲሉ መባኦም፡ ኲሉ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ኲሉ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶምን ኲሉ ናይ በደል መስዋእቶምን ንሱ ንኣኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።
10 ኣብ ቅዱስ ቅዱሳን ኴንካ ብልዓዮ፡ ኲሉ ተባዕታይ ይብልዓዮ፡ ቅዱስ ይኹነልካ።
11 እዚ ንኣኻ እዩ፡ እቲ ኻብ መባኦም ዚልዐል መስዋእትን እቲ ደቂ እስራኤል ዜቕርብዎ ዚውዝወዝ መስዋእትን ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣሎኹ። ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ይብልዓዮ።
12 ካብ ዘይቲ ዝበለጸ ዅሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ዚህብዎ በዅራት ንኣኻ ሂበካ ኣሎኹ።
13 ኣብ ምድሮም ዘሎ ዅሉ በዅሪ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ ንኣኻ ይኹን፡ ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ኻብኡ ይብላዕ።
14 ኣብ እስራኤል እተሐርመ ዅሉ ንኣኻ ይኹን።
15 ካብ ኲሉ ስጋ፡ ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ፡ ሰብ ኰነ ሓደው እንስሳ፡ ናብ እግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ግና በጃ ሀበሉ፡ ንበዅሪ ርዅስ እንስሳ ኸኣ በጃ ሀበሉ።
16 ነቶም እትብጀዎም ድማ ካብ ወዲ ወርሒ ዝዀነ ከም ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ፡ ንሱ ኸኣ ዕስራ ጌራ፡ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ተበጀዎም።
17 በዅሪ ላምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና፡ ቅዱሳት እዮም እሞ፡ ኣይትበጀዎም፡ ደሞም ኣብ መሰውኢ ንጸጎ፡ ስብሖም ከኣ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ ሓዊ ኣሕርሮ።
18 ስጋኦም ከኣ ንኣኻ ይኹን፡ ከም ሓኸለ እቲ ዚውዝወዝ መስዋእትን ከም የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን።
19 ናይቲ ቅዱስ ነገር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ ዅሉ ዚልዐል መስዋእቲ ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣሎኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኪዳን ጨው እዩ።
20 እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሀሉኻ፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ግደ ኣይሀሉኻ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ።
21 ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብ ክንዲ እቲ ኣገልግሎቶም፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎት፡ እንሆ፡ ኲሉ ዕሽር እስራኤል ንርስቲ ሂበዮም ኣሎኹ።
22 ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ምእንቲ ሓጢኣት ከይጾሩን ከይሞቱን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ።
23 ሌዋውያን ግና ኣብቲ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ የገልግሉ፡ እቲ በደሎም ከኣ ንሳቶም ይጹርዎ፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይረስተዩ።
24 እቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ንዚልዐል መስዋእቲ ዚህብዎ ዕሽር ሌዋውያን ርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሀልዎም፡ በልክዎም።
25 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
26 ንሌዋውያን ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ገይረ ዝሀብኩኹም ዕሽር ካብ ደቂ እስራኤል ምስ እትወስዱ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ፡ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ኣቕርቡ።
27 እዚ ዚልዐል መስዋእትኹም ድማ ከም ስርናይ ካብ ዓውዲ፡ ከም ወሓዚ ኻብ መጽመቚ ይቚጸረልኩም።
28 ከምኡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዕሽርኩም ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ፡ ካብኡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ንኻህን ኣሮን ሀቡ።
29 ካብቲ እተዋህበኩም ኲሉ፡ ካብቲ እተቐደሰ ኻብ ኲሉ እቲ ብሉጹ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቱ ኣቕርቡ።
30 በሎም ድማ፡ እቲ ዝበለጸ ኻብኡ ምስ እተቕርቡ፡ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽመቚን ይቚጸረሎም።
31 ናይቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ማሕድሮኹም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ኣብ ዝዀነ ቦታ ብልዕዎ።
32 ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ ኣልዐልኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይትጾሩን፡ እቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኸኣ ኣይተርክሱን ኣይትሞቱን ከኣ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2 እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዜብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም።
3 እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሀብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ።
4 ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።
5 ነታ ላም ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድ።
6 እቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድ፡ ናብ ማእከል እቲ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ።
7 እቲ ኻህን ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብ፡ ድሕርቲ ናብ ሰፈር ይእቶ። እቲ ኻህን ከኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
8 እቲ ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን።
9 ነቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ኸኣ ንጹህ ዝዀነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ድማ ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ። እዚ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዜንጽህ ማይ ኪኸውን ይተሐሎ።
10 እቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ዝአከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እዚ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
11 ንዝዀነ ዝሞተ ስጋ ሰብ ዝተንከየ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።
12 ንሱ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ይንጻህ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጽሄ ግና፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣይነጽህን እዩ።
13 ናይ ዝሞተ ሰብ ምዉት ስጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄ፡ ንማሕደር እግዚኣብሄር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኢል ትመንቈስ። እቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።
14 ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ምስ ዚመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝአተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።
15 ኲሉ ኽፉት፡ ኣብ ልዕሊእ እተኣስረ መኽደን ዜብሉ ኣቕሓ ርኹስ ይኹን።
16 ኣብ መሮር ብሴፍ ንተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ዓጽሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።
17 ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓመዅስቲ እቲ ዝሐረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፡ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይ ይኽዐዉሉ።
18 ሓደ ንጹህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየን ይንጸግ።
19 እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬንጽሆ እዩ። ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ምሸት ድማ ኪነጽህ እዩ።
20 ዝረኸሰ ሰብ ግና፡ ዘይነጽሄ ኸኣ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል እታ ማሕበር ትመንቈስ። ማይ ምንጻህ ስለ ዘይተነጽጎውን፡ ርኹስ እዩ።
21 እዚ ድማ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነሎም። እቲ ማይ ምንጻህ ዝነጸገ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ እቲ ማይ ምንጻህ ዝተንከየ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
22 እቲ ርኹስ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ርኹስ እዩ፡ ዝተንከየቶ ነፍሲ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን።

 

1 ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ በረኻ ጺን ኣተዉ፡ ኣብ ቃዴስ ድማ ጸንሑ። ሚርያም ከኣ ኣብኡ ሞተት፡ ኣብኡውን ተቐብረት።
2 እቲ ኣኼባ ድማ ማይ ኣይነበሮን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ።
3 እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሞቱ ኸለዉ እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና፡
4 ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎ፧
5 ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ናይ ዘርኢ ወይ ናይ በለስ ወይ ናይ ወይኒ ወይ ናይ ሮማን ቦታ ኣይኰነትን፡ ዚስተ ማይውን የብላን፡ ኢሎም ተቛየቚዎ።
6 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ፡ ብገጾም ድማ ተደፍኡ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም።
7 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
8 ነታ በትሪ ውሰዳ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከኣ ነቲ ኣኼባ ኣክብዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብዎ፡ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ንስኻውን ካብቲ ኸውሒ ማይ ተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንኸብቶምን ከኣ ተስቲ።
9 ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝአዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ፡
10 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣኪቦም፡ ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧ በሎም።
11 ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፡ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፡ እቲ ኣኼባን ከብቶምን ሰተዩ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይአመንኩም፡ ስለዚ ነዛ ማሕበር እዚአ ናብታ ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም፡ በሎም።
13 እዚ ማይ መሪባ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር እተቛየቑሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣባታቶም እተቐደሰሉ እዩ።
14 ሙሴ ድማ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም፡ ሓውካ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡
15 ኣቦታትና ናብ ግብጺ ኸመይ ከም ዝወረዱ፡ ኣብ ግብጺ ኸኣ ነዊሕ ዘበን ተቐመጥና፡ ግብጻውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ሐሰሙና።
16 ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእዌና፡ ንሱ ቓልና ሰምዔ፡ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እንሆ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ወሰን ዶብካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ኣሎና።
17 በጃኻ፡ ብምድርካ ኣሕልፈና፡ ብግርሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሐልፍን፡ ማይ ዔላ ኸኣ ኣይንሰትን፡ ዶብና ኽሳዕ እንሐልፍ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይነግልስን፡ ብጐደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
18 ኤዶም ግና፡ ወጺኤ ብሴፍ ከይቃባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሕለፍ፡ በሎ።
19 ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ብጐደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ። ጥራይ ንእግረይ ነገር ዜልቦ ኣሕልፈኒ፡ በልዎ።
20 ንሱ ድማ፡ ኣይትሓልፍን፡ በለ። ኤዶም ድማ ምስ ብዙሕ ህዝብን ብሓያል ኢድን ኪቃባበሎ ወጸ።
21 በዚ ኸምዚ ኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ።
22 ካብ ቃዴስ ድማ ተጓዕዙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ከረን ሆር መጸ።
23 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
24 ኣብ ማይ መሪባ ንትእዛዘይ ስለ ዝአቤኹምዎ፡ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይኣቱን እዩ እሞ፡ ናብ ሰቡ ይተአከብ።
25 ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ውሰድ፡ ናብ ከረን ሆር ድማ ኣደይቦም።
26 ንኣሮን ከኣ ኣልባሱ ግፈፎ ንኣልኣዛር ወዱ ድማ ክደኖ። ኣሮን ከኣ ናብ ህዝቡ ይተኣከብ፡ ኣብኡውን ይሙት።
27 ሙሴ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረአዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ።
28 ሙሴ ድማ ንኣሮን ኣልባሱ ገፊፉ ንኣልኣዛር ወዱ ኸደኖ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ካብቲ ኸረን ወረዱ።
29 ኲሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።

 

1 እቲ ኣብ ደቡብ ዚነብር ንጉስ ኣራድ ከነኣናዊ፡ እስራኤል ብመገዲ ኣታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ምስ እስራኤል ተዋግኤ፡ ካባታቶም ከኣ ገለ ምርኮ ማረኸ።
2 ሽዑ እስራኤል፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካንስ፡ ከተማታቶም ክሐርመን እየ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ ተመባጽዔ።
3 እግዚኣብሄር ድማ ቃል እስራኤል ሰምዔ፡ ንከነኣናውያን ከኣ ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ንኣታቶምን ንኸተማታቶምን ድማ ሐረምዎም፡ ስም እታ ቦታ ኸኣ ሖርማ ተባህለት።
4 ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት።
5 እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ።
6 እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።
7 ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ።
8 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ።
9 ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ።
10 ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኦቦት ከኣ ሰፈሩ።
11 ካብ ኦቦት ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ መንጽር ሞኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዘሎ በረኻ ኣብ ዒየ-ዓባሪም ሰፈሩ።
12 ኣብኡ ተጓዒዞም ከኣ፡ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ፡
13 ካብኡ ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዚወጽእ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከኣ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞኣብ እዩ።
14 ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ተባሂሉ እዩ፡ ዋሄብ ኣብ ሱፋ ለሴታት ኣርኖን ከኣ፡
15 ናብቲ ዓር እትነብረሉ ዜብል፡ ቊልቊለት ለሴታት ድማ፡ ናብ ዶብ ሞኣብውን ዚጽጋዕ።
16 ካብኡ ድማ ናብ ቤዔር ተጓዕዙ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ንሙሴ፡ ነቲ ህዝቢ ኣክቦ ኣነውን ማይ ክህቦም እየ፡ ዝበሎ ዔላ ንሱ እዩ።
17 ሽዑ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ዘመረ፡ ኣታ ዔላ፡ ፈልፍል፡ ንእኡ ዘምሩሉ፡
18 እቲ ሹማምቲ ዝዀዐትዎ፡ ኣውራታት ህዝቢ፡ ብዘንጊ መንግስቲ፡ በባትሮም ዘጐድጐድዎ ዔላ። ካብ በረኻ ድማ ናብ ማታና፡
19 ካብ ማታና ኸኣ ናብ ናሓሊኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ድማ ናብ ባሞት፡
20 ካብ ባሞት ከኣ ናብቲ ኣብ መሮር ሞኣብ ዘሎ ለሰ፡ ናብቲ ናብ በረኻ ዚርኢ ርእሲ ጲስጋ ተጓዕዙ።
21-22 እስራኤል ድማ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ ናብ ግርሁን ናብ ወይንን ኣይነግልስን፡ ማይ ዔላውን ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሐልፍ ብጐደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ።
23 ሲሆን ከኣ እስራኤል ብዶቡ ኺሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ ሲሆን ኲሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤል ኪቃባበሎም ናብ በረኻ ወጸ፡ ናብ ያሃጽ መጺኡ ኸኣ ምስ እስራኤል ተዋግኤ።
24 እስራኤል ግና ብስሕለት ሴፍ ወቕዖ፡ ምድሩ ኸኣ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ክሳዕ ደቂ ኣሞን ወረሰ። ዶብ ደቂ ኣሞን ግና ጽኑዕ ነበረ።
25 እስራኤል ድማ ንዅለን እተን ከተማታት እቲኤን ሐዘን፡ እስራኤል ከኣ ኣብ ኲለን ከተማታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ሔስቦንን ኲለን ዓድታታን ተቐመጠ።
26 ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነበረት እሞ፡ ንሱ ምስቲ ቕድም ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ንብዘላ ምድሩ ኽሳዕ ኣርኖን ካብ ኢዱ ወሲድዋ ነበረ።
27 ስለዚ እቶም መሰልቲ ይብሉ፡ ናብ ሔስቦን ንዑ። ከተማ ሲሆን ትነደቕን ትተዐረድን።
28 ካብ ሔስቦን ሓዊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ፡ ንሱ ንዓር ናይ ሞኣብን ነቶም ጐይተት በረኽቲ ኣርኖንን በልዔ።
29 ሞኣብ ወይለኻ። ኣታ ህዝቢ ከሞሽ ጠፋእካ። ኣወዳቱ ንምህዳም፡ ኣዋልዱ ኸኣ ንምርኮ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ሀቦ።
30 ንሕና ወርወርናሎም፡ ሔስቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኤት። ክሳዕ ኖፋሕ፡ ክሳዕ ሜድባ ዚበጽሕ ኣዐኖና።
31 በዚ ኸምዚ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጠ።
32 ሙሴ ድማ ናብ ያዕዘር ዚስልዩ ሰደደ፡ ዓድታታውን ሐዙ። ኣብኡ ንዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ኣውጽእዎም።
33 ተመሊሶም ድማ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ኦግ ንጉስ ባሳን ከኣ፡ ንሱን ኲሉ ህዝቡን ናብ ኤድረይ ኪዋጋእን ኪቃባበሎምን ወጸ።
34 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ፡ በሎ።
35 ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን፡ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፎ፡ ወቕዕዎ። ምድሩ ድማ ወረሱ።

1 ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ።
2 ባላቅ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበሮ ዅሉ ረኣየ።
3 ሞኣብ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ኣዝዩ ፈርሄ። ሞኣብ ብደቂ እስራኤል ተሸበረ።
4 ሞኣብ ከኣ ንዓበይቲ ሚድያን፡ ብዕራይ ሳዕሪ መሮር ከም ዚበልዕ፡ ሕጂ እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ንዅሉ ኸምኡ ኺበልዖ እዩ፡ በሎም። በቲ ዘበን እቲ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ ነበረ።
5 ንሱ ኸኣ ናብታ ኣብ ጥቓ ርባ ዘላ ጴጦር ኣብ ሃገር ደቂ ህዝቡ ተቐሚጡ ዘሎ ናብ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ኢሎም ኪጽውዕዎ ልኡኻት ሰደደሉ፡ እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንሱ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽረይ ተቐሚጡ ኣሎ።
6 ንሱ ኻባይ ዚሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ እልምነካ ኣሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፡ ዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቕዖን ካብ ሃገር ከኣ ከውጽኦን እኽእል እየ።
7 ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ዓስቢ ጥንቊልና ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ።
8 ንሱ ድማ፡ ሎም ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነገረኒ ነገር ከኣ ክመልሰልኩም እየ፡ በሎም። ሹማምቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ተቐመጡ።
9 ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧ በለ።
10-11 በላዓም ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ እንሆ፡ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለኣኸለይ።
12 ኣምላኽ ድማ ንበላዓም፡ ምሳታቶም ኣይትኺድ፡ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣይትርገሞ፡ በሎ።
13 በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንሲኡ ንሹማምቲ ባላቅ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይከይድ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ ንሃገርኩም ኪዱ፡ በሎም።
14 ሹማምቲ ሞኣብ ድማ ተንስኡ፡ ናብ ባላቅ መጺኦም ከኣ፡ በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ፡ በልዎ።
15 ባላቅ ድማ መሊሱ ኻባታቶም ዚበዝሑን ዚኽብሩን ሹማምቲ ሰደደ።
16 ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ኣይትተዐገት፡
17 ኣዝየ ከኽብረካ እየ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ እሞ፡ በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ።
18 በላዓም ድማ ንገላዉ ባላቅ መለሰሎም በሎም ከኣ፡ ባላቅ ብቤቱ መሊኡ እኳ ብሩርን ወርቅን እንተ ዚህበኒ፡ ብንእሽቶ ዀነ ወይ ብዓብዪ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከፍርስ ኣይክእልን እየ።
19 ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር መሊሱ ዚብለኒ ኽፈልጥ ንስኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብዚ ተቐመጡ።
20 ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ መጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ተንሲእካ ምሳታቶም ኪድ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ግበር፡ በሎ።
21 በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ምስቶም ሹማምቲ ሞኣብ ከደ።
22 ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ ኲራ ኣምላኽ ነደደ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ኽልተ ገላዉኡ ኸኣ ምስኡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ መልኣኽ እግዚብሄር ኪኽልከሎ ኣብ መገዲ ደው በለ።
23 እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ምሉሕ ሴፍ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ መገዲ ደዉ ኢሉ ረአየት፡ እታ ኣድጊ ኸኣ ካብ መገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኸደት። በላዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኺመልሳ ወቕዓ።
24 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ በዚ መንደቕ በቲ ድማ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ዅዕትቲ መገዲ ደው በለ።
25 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዔት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ንሱ ኸኣ መመሊሱ ወቕዓ።
26 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ሐሊፉ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም እተግልስ ኣብ ዜብላ መገዲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ደው በለ።
27 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት። በላዓም ድማ ኰርዩ ተናደደ፡ ነታ ኣድግ ኸኣ ብበትሪ ወቕዓ።
28 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፡ ንሳ ድማ ንበላዓም፡ እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካኒኸ እንታይ ገይረካ እየ በለቶ፧
29 በላዓም ከኣ ነታ ኣድጊ፡ ስለ ዘላገጽክለይ፡ ሴፍ ኣብ ኢደይ እንተ ዚህልወንስ፡ ሕጂ ሕጂ እኳ ምቐተልኩኺ፡ በላ።
30 እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩኒ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋልክን፡ በለ።
31 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በላዓም ከፈተ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መገዲ ደው ኢሉ፡ ምሉሕ ሴፉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ረአየ። ፍግም ኢሉ ድማ ብገጹ ተደፍኤ።
32 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ እዛ መገዲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ኣይኰነትን እሞ፡ እንሆ፡ ክኽልክለካ ወጻእኩ።
33 እታ ኣድጊ ኸኣ ርእያትኒ፡ ሰለስተ ሳዕ ካብ ቅድመይ ኣግለሰት፡ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፡ ንእኣ ብህይወታ ሐዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ፡ በሎ።
34 በላዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንምኽልካለይ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ በደልኩ። ሕጂ ኸኣ ዘጕህየካ እንተ ዀይኑስ፡ እምለስ፡ በሎ።
35 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም፡ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፡ ግናኸ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ተዛረብ፡ በሎ። በላዓም ከኣ ምስቶም ሹማምቲ ባላቅ ከደ።
36 ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ኪቃባበሎ ናብታ ኣብ ዶብ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፡ ኣብ ወሰን ዶብ ከደ።
37 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ንምጽዋዕካ ኣጽኒዔዶ ኣይለኣኽኩልካን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካዶ ኣይክእልን እየ፧ በሎ።
38 በላዓም ከኣ ንባልቅ፡ እንሆ፡ ናባኻ መጺኤ ኣሎኹ። ሕጂ ገለ ነገር ክዛረብዶ እኽእል እየ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዜንብረለይ ቃል ንሱ እየ ዝዛረብ፡ በሎ።
39 በላዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፡ ቅርያት-ሑጾት ከኣ መጹ።
40 ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሐሪዱ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዘለዉ ሹማምትን ሰደደ።
41 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ባላቅ ንበላዓም ወሲዱ ናብ ባሞት-በዓል ኣደየቦ፡ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።

 

1 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ እሞ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ፡ በሎ።
2 ባላቅ ከኣ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ባላቅን በላዓምን ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ።
3 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብ ጥቓ እዚ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኪራኸበኒ እንተ ወጸ፡ ክኸይድ እየ፡ እቲ ንሱ ዜርእየኒ ነገር ከኣ ክነግረካ እየ፡ በሎ። ናብ ሓደ መላጥ በሪኽ ድማ ከደ።
4 ኣምላኽ ከኣ ንበላዓም ተጓነፎ፡ ንሱ ድማ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኣዳሎኹ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ዝራብዕን ድዑልን ሰዋእኩ፡ በሎ።
5 እግዚኣብሄር ድማ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ከኣ በሎ።
6 ናብኡ ድማ ተመልሰ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ኲሎም ሹማምቲ ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ።
7 ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ባላቅ ካብ ኣራም፡ ንጉስ ሞኣብ ኣብ ኣኽራን ምብራቕ ኣምጽኣኒ፡ መጺእካ ንያእቆብ ርገመለይ፡ ንዓ ንእስራኤል ጸይፎ።
8 ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግም፧ እግዚኣብሄር ንዘይጸየፎኸ ኸመይ ገይረ ኽጽይፍ፧
9 ካብ ርእሲ ኣኻውሕ ደኣ እርእዮ፡ ካብ ኲርባታት ከኣ እጥምቶ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንበይኑ ዚቕመጥ ህዝቢ፡ ምስ ህዝብታትውን ኣይቊጸርን።
10 ነቲ ሓመድ ያእቆብ መን ኪቘጽሮ ይኽእል፧ ወይ ንርብዒ እስራኤል መን ይጽብጽቦ፧ ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙት፡ መወዳእታይ ከኣ ከም ናቱ ይኹን።
11 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፡ ንጸላእተይ ክትረግሞም ኣምጻእኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈጺምካ መረቕካዮም፡ በሎ።
12 ንሱ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግኣንን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።
13 ባላቅ ድማ፡ በጃኻ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ናይ ሓደ ወገን ወሰኖም ትርኢ ኣሎኻ እምበር፡ ንብዘለዉ ኣይትርእዮምን ኢኻ ዘሎኻ፡ ኣብኡ ዄንካ ንኣታቶም ርገመለይ፡ በሎ።
14 ናብ መሮር ጾፊም ናብ ርእሲ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኸኣ ነደቐ፡ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ።
15 ንባላቅ ከኣ፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል ኣነ ኣብኡ ኽራኸቦ ክኸይድ እየ፡ በሎ።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ከኣ ኣብ ኣፉ ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ በለ።
17 ናብኡ ኸኣ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው ኢሉ፡ ሹማምቲ ሞኣብውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ድማ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ተዛሪቡካ፡ በሎ።
18 ሽዑ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ባላቅ፡ ተንስእ፡ ስማዕ ድማ፡ ኣታ ወዲ ጺጶር፡ ናባይ ጽን በል።
19 ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧
20 እንሆ፡ ክምርቕ ተአዚዘ እየ። ንሱ ድማ ባሪኹ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክመልሶ ኣይከአለንን።
21 ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይጠመተን፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕሰም ኣይረአየን። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ እዩ፡ እልልታ ንንጉስ ድማ ኣብ ማእከሉ ኣሎ።
22 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ።
23 ኣብ ያእቆብ ኣስማት፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ጥንቊልና የልቦን። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን ብጊዜኡ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ፡ ኪብሀል እዩ።
24 እንሆ፡ ህዝቢ ኸም ዋዕሮ ይትንስእ፡ ከም ኣንበሳ ይልዐል። ዝዘረፎ ኽሳዕ ዚበልዕ፡ ደም እቶም ቅቱላት ከኣ ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን።
25 ሽዑ ባላቅ ንበላዓም፡ ምርጋም ኣይትርገሞ፡ ምምራቕ ከኣ ኣይትምርቆ፡ በሎ።
26 በላዓም ግና ንባላቅ፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ዅሉ እየ ዝገብር፡ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፧ ኢሉ መለሰሉ።
27 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፡ ምናልባሽ ኣምላኽ እንተ ሰመሮ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትረግመለይ፡ በጃኻ ንዓ፡ በሎ።
28 ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ ንበረኻ ኣቢሉ ናብ ዜርኢ፡ ናብ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ።
29 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፡ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ከኣ ኣብዚ ኣዳልወለይ፡ በሎ።
30 ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ።

 

1 በላዓም ድማ ንእስራኤል ኪምርቖ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ገጹ ንበረኻ ኣቢሉ መለሰ እምበር፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ብኣስማት ኪቃባበል ኣይከደን።
2 በላዓም ከኣ ዓይኑ ኣልዐለ ንእስራኤል ድማ በብነገዶም ሰፊሮም ረኣዮም፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ናብ ልዕሊኡ መጸ።
3 ምስላኡ ኣልዒሉ ኸኣ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ይብል።
4 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዘርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ከኣ ዚኽፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡
5 ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ።
6 ከም ለሴታት፡ ኣብ ገምገም ርባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ዕሬታት፡ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ጽሕድታት ይዝርግሑ።
7 ካብ ዕትሮኡ ማይ ይጅርበብ፡ ዘርኡ ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፡ ንጉሱ ኻብ ኣጋግ ክብ ይብል፡ መንግስቱ ኸኣ ክትልዐል እያ።
8 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ፡ ነቶም ዚጻረርዎ ህዝብታት ኪበልዖም እዩ፡ ኣዕጽምቶም ከኣ ኪሰባብር እዩ፡ ብመንትጉውን ኪወግኦም እዩ።
9 ንሱ ኸም ኣንበሳ በጥ ኢሉ፡ ከም ዋዕሮ ድማ ደቂሱ ኣሎ፡ መን የተንስኦ ዚምርቐካ ምሩቕ፡ ዚረግመካ ኸኣ ርጉም ይኹን።
10 ሽዑ ዅራ ባላቅ ኣብ በላዓም ነደደ፡ ኣእዳዉ ድማ ኣጣቕዔ፡ ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕጂ ሰለስተ ሳዕ ኣጸቢቕካ መረቕካዮም።
11 ሕጂ ድማ ናብ ቦታኻ ህደም። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፡ እግዚኣብሄር ግና እንሆ፡ ከይትኸብር ከልኣካ፡ በሎ።
12-13 በላዓም ከኣ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዚህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ፡ ከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብ፡ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፡
14 ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ናብ ህዝበይ እከይድ ኣሎኹ። ንዓ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ ዚገብሮ ኽነግረካ።
15 ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ክፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡
16 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዚኽፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡
17 እርእዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ ኣሎኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንዅሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም።
18 ኤዶም ርስቲ ኪኸውን እዩ፡ ሰዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኽትከውን እያ፡ እስራኤል ከኣ ሓይሊ ኺገብር እዩ።
19 ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩ፡ ነቲ ትርፊ ኸኣ ኻብታ ኸተማ ኺወድኦ እዩ።
20 ንኣማሌቅ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ኣማሌቅ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ እዩ፡ ዳሕራዩ ግና ንጥፍኣት እዩ።
21 ናብ ቄናውያን ርእዩ ኸኣ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ እትነብረሉ ጽኑዕ እዩ፡ ቤትካ ኸኣ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ ኣሎ።
22 እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ።
23 ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ወይለይ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ምስ ዚገብርሲ፡ መን ኮን ብህይወት ይነብር፧
24 ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓ፡ ንዔብርውን ኬጨንቓ እየን። ንሱ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ።
25 በላዓም ድማ ተንሲኡ ኽደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅውን መገዱ ኸደ።

 

1 እስራኤል ድማ ኣብ ሽጢም ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ።
2 ንሳተን ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ጸውዓኦ። እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዔ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ።
3 እስራኤል ከኣ ምስ በዓል-ጴዖር ሐበረ። ኲራ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ እስራኤል ንደደ።
4 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ነዳዲ ዅራ እግዚኣብሄር ካብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንዅሎም ሓላቑ ህዝቢ ወሲድካ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ስቐሎም፡ በሎ።
5 ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓል-ጴዖር ዝሐበሩ ሰቡ ይቕተል፡ በሎም።
6 እንሆ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ኪበኽዩ ኸለዉ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽኤ።
7 ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረአዮ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስኤ፡ ኲናትውን ኣብ ኢዱ ወሰደ፡
8 ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብታ ዝደቀሱላ አተወ፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከኣ ረቃቒቶኣ ንኽልቲኦም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ዛረየ።
9 እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኰኑ።
10 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
11 ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንዅራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን።
12 ስለዚ በል፡ እንሆ፡ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣሎኹ።
13 ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኢል ከኣ ኣተዐሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን።
14 ስም እቲ እተቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ምስታ ሚድያናዊት ሰበይቲ እተቐትለ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ፡ ንሱ ኻብ ደቂ ስምኦን፡ ሹም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ነበረ።
15 ስም እታ እተቐትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ከኣ ኩዝቢ ጓል ጹር፡ ንሱ ኣብ ሚድያን ናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ሓለቓ ህዝቢ ነበረ።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዝ ኢሉ ተዛረቦ፡
17-18 በቲ ብናይ ጴዖር ነገር ዝጠበሩኹም ምጥባሮም፡ ድማ ብነገር ኩዝቢ ሓብቶም፡ ጓል ሹም ሚድያን፡ በታ ብዛዕባ ጴዖር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ እተቐትለት፡ ኣጨኒቖምኹም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንሚድያናውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን።

1-2 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዛ መዓት እዚኣ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ኪወጽእ ዚኽእል ዘበለ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቊጸሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
3 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ኣብ ጐላጉል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡
4 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ነቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹ ደቂ እስራኤልን ዝአዘዞም፡ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቚጸሮም።
5 ሮቤል በዅሪ እስራኤል እዩ። ደቂ ሮቤል፡ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፡ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን።
6 ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፡ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን።
7 ዓሌታት ሮቤላውያን እዚኣቶም እዮም፡ ቊጹራቶም ድማ ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ።
8 ደቂ ፋሉ ኸኣ፡ ኤልያብ።
9 ደቂ ኤልያብ ድማ፡ ነሙኤልን ዳታንን ኣቢራምን። እቲ ምስ ኣኼባ ቆራሕ ኰይኖም ንእግዚኣብሄር ኪትንስእዎ ኸለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተንስኡ፡ ኣብቲ ኣኼባ ስሙያት ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን እዚኣቶም እዮም።
10 ነዚኣቶም፡ በታ ነቶም ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓዊ ዝበልዓላ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ዝሞተላ፡ ንሳቶም ከኣ ንምልክት ዝዀኑላ ጊዜ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ምስ ቆራሕ ወሐጠቶም።
11 ደቂ ቆራሕ ግና ኣይሞቱን።
12 ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ ካብ ነሙኤል ዓሌት ነሙኤላውያን፡ ካብ ያሚን ዓሌት ያሚናውያን፡ ካብ ያኪን ዓሌት ያኪናውያን፡
13 ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን፡ ካብ ሳውል ዓሌት ሳውላውያን።
14 ዓሌታት ስምኦናውያን እዚኣቶም እዮም፡ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን።
15 ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ ካብ ጸፎን ዓሌት ጻፎናውያን፡ ካብ ሓጊ ዓሌት ሓጋውያን፡ ካብ ሹኒ ዓሌት ሹናውያን፡
16 ካብ ኦዝኒ ዓሌት ኦዝናውያን፡ ካብ ኤሪ ዓሌት ኤራውያን፡
17 ካብ ኣሮድ ዓሌት ኣሮዳውያን፡ ካብ ኣርኤሊ ዓሌት ኣርኤላውያን፡
18 ዓሌታት ደቂ ጋድ ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
19 ደቂ ይሁዳ፡ ኤርን ኦናንን። ኤርን ኦናንን ድማ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።
20 ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሸላ ዓሌት ሸላውያን፡ ካብ ፋሬስ ዓሌት ፋሬሳውያን፡ ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን።
21 ደቂ ፋሬስ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሔጽሮን ዓሌት ሔጽሮናውያን፡ ካብ ሓሙል ዓሌት ሓሙላውያን።
22 ዓሌታት ይሁዳ ኸምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሰብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
23 ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ ካብ ቶላ ዓሌት ቶላውያን፡ ካብ ፉዋ ዓሌት ፉዋውያን፡
24 ካብ ያሹብ ዓሌት ያሹባውያን፡ ካብ ሺምሮን ዓሌት ሺምሮናውያን።
25 ዓሌታት ይሳኮር ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን።
26 ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ ካብ ሰረድ ዓሌት ሰረዳውያን፡ ካብ ኤሎን ዓሌት ኤሎናውያን፡ ካብ ያሕልኤል ዓሌት ያሕልኤላውያን።
27 ዓሌታት ዛብሎናውያን ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
28 ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም፡ ምናሴን ኤፍሬምን።
29 ደቂ ምናሴ፡ ካብ ማኪር ዓሌት ማኪራውያን። ማኪር ድማ ንጊልኣድ ወለደ፡ ካብ ጊልኣድ ዓሌት ጊልኣዳውያን።
30 ደቂ ጊልኣድ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ኢዔዘር ዓሌት ኢዔዘራውያን፡ ካብ ሔለቅ ዓሌት ሔለቃውያን፡
31 ካብ ኣስሪኤል ከኣ ዓሌት ኣስሪኤላውያን፡ ካብ ሰኬም ድማ ዓሌት ሰኬማውያን።
32 ካብ ሸሚዳ ኸኣ ዓሌት ሸሚዳውያን፡ ካብ ሔፈር ድማ ዓሌት ሔፈራውያን።
33 ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ከኣ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስም እተን ኣዋልድ ጸሎፈሓድ ድማ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ እዩ።
34 ዓሌታት ምናሴ እዚኣቶም እዮም፡ ቊጹራቶም ከኣ ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።
35 ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹተላ ዓሌት ሹተላውያን፡ ካብ ቤከር ዓሌት ቤከራውያን፡ ካብ ታሓን ዓሌት ታሓናውያን።
36 ደቂ ሹተላ ኸኣ፡ ካብ ዔራን ዓሌት ዔራናውያን።
37 ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
38 ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፡ ካብ ቤላዕ ዓሌት ቤላዓውያን፡ ካብ ኣሽቤል ዓሌት ኣሽቤላውያን፡ ካብ ኣሒራም ዓሊም ኣሒራማውያን።
39 ካብ ሸፉፋም ዓሌት ሸፉፋማውያን፡ ካብ ሑፋም ዓሌት ሑፋማውያን።
40 ደቂ ቤላዕ፡ ኣርድን ነዓማንን ነበሩ። ካብ ኣርድ ዓሌት ኣርዳውያን፡ ካብ ነዓማን ዓሌት ነዓማናውያን።
41 ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ቊጽራቶም ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ኰኑ።
42 ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹሓም ዓሌት ሹሓማውያን። ዓሌታት ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
43 ኲሎም ዓሌታት ሹሓማውያን ከምቲ እተቘጽርዎ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
44 ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ ካብ ዪምና ዓሌት ዪምናውያን፡ ካብ ዪሽዊ ዓሌት ዪሽዋውያን፡ ካብ ብሪዓ ዓሌት ብሪዓውያን።
45 ካብ ደቂ ብሪዓ፡ ካብ ሔበር ዓሌት ሔብራውያን፡ ካብ ማልኪኤል ዓሌት ማልኪኤላውያን።
46 ስም ጓል ኣሴር ሳራ ነበረ።
47 ዓሌታት ደቂ ኣሴር ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን፡
48 ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ ካብ ያሕጽኤል ዓሌት ያሕጽኤላውያን፡ ካብ ጉኒ ዓሌት ጉናውያን።
49 ካብ የጸር ዓሌት የጸራውያን፡ ካብ ሺሌም ዓሌት ሺሌማውያን።
50 ዓሌታት ንፍታሌም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ቊጹራቶም ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
51 እቶም ካብ ደቂ እስራኤል እተቘጽሩ ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ።
52 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
53 እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቚጽሪ ስሞም ርስቲ ዀይና ትመቐል።
54 ነቶም ብዙሓት ርስቲ ኣግፍሓሎም፡ ነቶም ሒደት ከኣ ርስቲ ኣንእሰሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከም ቊጽሩ ርስቱ ይወሀብ።
55 እታ ምድሪ ግና ብዕጭ ውድቕ ትመቐል። ከከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይረስተዩ።
56 እቲ ርስቶም ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ሒደትን ከምታ ዕጫ ዝሀበቶ ይመቐል።
57 እቶም በብዓሌቶም እተቘጽሩ ሌዋውያን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ገርሾን ዓሌት ገርሾናውያን፡ ካብ ቃሃት ዓሌት ቃሃታውያን፡ ካብ መራሪ ዓሌት መራራውያን።
58 ዓሌታት ሌዊ እዚኣቶም እዮም፡ ዓሌት ሊብናውያን፡ ዓሌት ሔብሮናውያን፡ ዓሌት ማሕላውያን፡ ዓሌት ሙሻውያን፡ ዓሌት ቆራሓውያን። ቃሃት ከኣ ንኣምራም ወለደ።
59 ስም ሰበይቲ ኣምራም ድማ ዮኬቤድ ነበረ። ንሳ ንሌዊ ኣብ ግብጺ እተወልደትሉ ጓል ሌዊ እያ። ንሳ ኸኣ ንኣምራም ኣሮንን ሙሴን ሚርያም ሓብቶምን ወለደትሉ።
60 ንኣሮን ድማ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ተወልዱሉ።
61 ናዳብን ኣቢሁን ከኣ ጋሻ ሓዊ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ኣቕረቡ፡ ሞቱ።
62 እቶም ቊጹራቶም ተባዕትዮ ዘበሉ ኸኣ፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ፡ ኰኑ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይተዋህቦምን እሞ፡ ስለዚ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘጽሩን።
63 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘጸርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም።
64 ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ዝቘጸርዎም ቊጹራት ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእከል እዚኣቶም ኣይነበረን።
65 እግዚኣብሄር ብዛዕባኦም፡ ርግጽ ኣብ በረኻ ኺሞቱ እዮም፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካባታቶም፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

 

1 ኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ።
2 ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን፡
3 ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረን፡ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።
4 ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና፡ በላ።
5 ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ።
6 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
7 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ።
8 ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ፡ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ።
9 ጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም።
10 ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም።
11 ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብዚ ኸረን ዓባሪም ደይብ፡ እታ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኸኣ ርኣያ።
13-14 ምስ ርኤኻያ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ኪቋየቘኒ ኸሎ፡ ኣብቲ ማይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከይትቕድሱኒ፡ ንቓለይ ስለ ዝዐሎኹም፡ ከምቲ ኣሮን ሓውካ እተአከበ፡ ንስኻውን ከምኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ። – እዚ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዝነበረ ማይ መሪባ እዩ። –
15 ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
16-17 እቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ከይኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚኦም ዚወጽእን ኣብ ቅድሚኦም ዚኣቱን፡ ዜውጽኦምን ዜእትዎምን፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ መናፍስቲ ዅሉ ስጋ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣኼባ እዚ ዚኸውን ሰብኣይ ይመድብ።
18 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ናባኻ ውሰድ፡ ኢድካ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።
19 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ከኣ ደው ኣብሎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ኣዝዞ።
20 ኲሉ ኣኬባ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኺእዘዞ ኸኣ፡ ካብ ግርማኻ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።
21 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ደው ይበል፡ ንሱ ኸኣ ብፍርዲ ኡሪም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕተተሉ። ንሱን ኲሎም ደቂ እስራኤልን ኲሉ እቲ ኣኼባን ከኣ ምስኡ ብቓሉ ይውጽኡ። ብቓሉ ድማ ይእተዉ።
22 ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንእያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ደው ኣበሎ።
23 ንሱ ኸኣ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ እተዛረቦ ድማ ኣዘዞ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል፡ መስዋእተይ፡ እቲ ብልዔይ ነቲ ጥዑም ጨና ዚዀነኒ ናይ ሓዊ መስዋእተይ፡ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ኸተቕርቡለይ ሐልዉ፡ ኢልካ ኣዝዞም።
3 በሎም ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ እዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ነንመዓልቲ ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸል ዓመት፡
4 ነቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ሰውኣዮ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸልውን ምሸት ሰውኣዮ።
5 ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ብርብዒ ሂን ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ።
6 እዚ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተቐረበ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
7 ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ምስቲ ሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይኹን። እቲ መስዋእቲ መስተ ኻብ ብርቱዕ መስተ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ ቦታ ይኰዖ።
8 ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ምሸት ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ብጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርካ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንመስዋእቲ ሓዊ ሰውኣዮ።
9 ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ጐደሎ ዜብሎም፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ኸኣ ናይ መስተ መስዋእቱ።
10 እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን፡ ናይ ሰንበተ ሰንበት ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።
11 ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕኩም ድማ ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ጐደሎ ዜብሎም፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኸተቕርቡ ኢኹም፡
12 መስዋእቲ ብልዒ ድማ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ።
13 ነንሓደ ገንሸል መስዋእቲ ብልዒ ድማ ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር።
14 ናይ መስተ መስዋእቶም ድማ ንዝራብዕ ፈረቓ ሂን ወይኒ፡ ንድዑል ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን፡ ንገንሸል ከኣ ርብዒ ሂን። እዚ ኣብ ናይ ዓመት ኣዋርሕ፡ በብወርሒ ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።
15 ንመስዋኣቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።
16 በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።
17 ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ።
18 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
19 ግናኸ መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጐደሎ ዜብሎም ይኹኑልኩም።
20 ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ንድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ ሰውኡ።
21 ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ሰውእ።
22 ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ንመስዋኣቲ ሓጢኣት።
23 ብጀካ እቲ ናይ ብጊሓት ዚሐርር መስዋእቲ፡ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ እዚ ሰውኡ።
24 ኣብ ጸጽባሕ ሾብዓተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ፡ ብልዒ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።
25 በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
26 በታ ቐዳማይ ፍሬኹም ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ በቲ ናይ ሰሙን በዓላትኩም፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
27 ግናኸ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኽልተ ዝራብዕ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ።
28 ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
29 ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከኣ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡
30 ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ሰውኡ።
31 ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጐደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹኑልኩም።

 

1 ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም።
2 ሽዑ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡
3 ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
4 ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከኣ ነንገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡
5 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ንምትዕራቕኩም ሓደ ድቤላ፡
6 እዚ ብጀካ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
7 ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸኣ ቅዱስ ኣኼባ ይዅነልኩም፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ። ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
8 ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጐደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹኑልኩም።
9 ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
10 ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡
11 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
12 ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ።
13 ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ መስዋእቲ ሓዊ፡ ኣቕርቡ፡ ዓሰርተው ሰለስተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ገደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹኑ።
14 ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም ዓሰርተው ሰለስተ ዝራብዕ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቶም ክልተ ድዑል ድማ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
15 ነቶም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ከኣ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡
16 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቱ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን ጌርኩም ኣቕርቡ።
17 ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡
18 ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን ከምቲ ቚጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
20 በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተው ሓደ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
21 ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልን፡ ከምቲ ቚጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
22 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
23 በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
24 ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልን፡ ከምቲ ቚጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
25 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
26 በታ ሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት።
27 ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልን፡ ከምቲ ቚጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
28 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
29 በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ድማ ሾሞንተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
30 ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቚጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ።
31 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
32 በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ሾብዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
33 ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ድዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቚጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
34 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ በጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
35 በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ኽቡር ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ኩሉ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
36 ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋኣቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጐደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡
37 እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ንገነሽልን፡ ከምቲ ቚጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
38 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
39 እዚ ብጀካ እቲ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መስዋእትኹምን ንዚሐርር መስዋእትኹም ኰነ ወይ ናይ ብልዒ መስዋእትኹም ወይ ናይ መስተ መስዋእትኹም ወይ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም በቶም ዓበይቲ በዓላት ንእግዚኣብሄር ከተቕርቡ ኢኹም።

 

1 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።
2 ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡
3 ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ኹሉ ይግበር።
4 ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረት፡
5 ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም።
6 ኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ።
7 ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት፡
8 እቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም።
9 እቲ ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓኣን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓልን ከንቱ ይገብሮ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪሐድገላ እዩ።
10 ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾኣ ግና፡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላ።
11 ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡
12 ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም።
13 ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉ፡ ካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ።
14 ነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቚሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮ።
15 ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ።
16 ምስ ሰምዔ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር።
17 እቲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን ብጊዜ ንእስነታ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕጋጋት እዚ እዩ።

1-2 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያን ሕነ ፍደየሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
3 ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካባኻትኩም ሰባት ንውግእ ይዳለዉ፡ ኣብ ሚድያን ሕነ እግዚኣብሄር ኪፈድዮ ኸኣ ንሚድያን ይኺዱ።
4 ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ሰብ ንውግእ ስደዱ።
5 ካብ ኣሽሓት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ተዋህቡ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ንውግእ ተዳለዉ።
6 ሙሴ ድማ ነቶም ከካብ ነገድ ሽሕ ዝወጹ፡ ንኣታቶምን ነቲ ምስ ኣቓሑ መቕደስን መለኸት መመልከትን ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን ናብ ውግእ ሰደዶም።
7 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኸኣ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ንዅሉ ተባዕታይ ድማ ቐተሉ።
8 ንነገስታት ሚድያን ድማ፡ ንኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ምስቶም ቅቱላቶም ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ብሴፍ ቀተልዎ።
9 ደቂ እስራኤል ከኣ ነንስቲ ሚድያንን ንቘልዑኤንን ማረኹ። ኲሉ ማሎምን ኲሉ ጥሪቶምን ኲሉ ገንዘቦምን ዘመቱ።
10 ንዅለን ዚነብሩለን ከተማታቶምን ኲሉ ሰፈሮምን ከኣ ብሓዊ ኣንደዱ።
11 ኲሉ ሰለባን ኲሉ ምርኮን፡ ሰብ ኰነ ማል ኰነ፡ ወሰዱ።
12 ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ ሰለባን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኣምጽእዎ።
13 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኲሎም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኪቕበልዎም ወጹ።
14 ሙሴ ኸኣ በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ሓላቑ ሰራዊት፡ በቶም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ተናደደ።
15 ሙሴ ድማ በሎም፡ ንዅለን ኣንስቲዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፡
16 እንሆ፡ በቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብምኽሪ በላዓም፡ ንደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘጥለማኦም ንሳተን እየን፡ ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር መዓት ኰነ።
17 ሕጂ ድማ ካብ ቈልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተልወን።
18 ብምድቃስ ንተባዕታይ ዘይፈለጣ ዅለን ኣዋልድ ግና ንኣኻትኩም ኪዀና ብህይወተን ሕደግወን።
19 ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ፡ ሰብ ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ርእስኹም ኣንጽሁ።
20 ኲሉ ኽዳውንትን ኲሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ጸጕሪ ጤል እተገብረ ዅለን ኲሉ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣንጽህዎ።
21 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት በሎም፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡
22 ወርቅን ብሩርን፡ ኣስራዚ፡ ሓጺን፡ ቈርቈሮን ዓረርን፡
23 ሓዊ ዚኽእል ኲሉ ነገር ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ይነጽህ ድማ፡ በቲ ዜንጽህ ማይ ከኣ ይንጻህ። ሓዊ ንዘይኽእል ኲሉ ድማ ብማይ ኣሕልፍዎ።
24 ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ክዳውንትኹም ሕጸቡ፡ ትነጽሁ ኸኣ። ድሕርቲ ሰፈር ትአትዉ።
25 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
26 ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኣኼባን ኴንኩም፡ ነቲ ምርኮ፡ ሰቡን ማሉን፡ ቊጸርዎ።
27 እቲ ምርኮ ነቶም ኣብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእትን ንብዘሎ እቲ ኣኼባን ፍርቀ ፍርቂ ጌርኩም ምቐልዎም፡
28 ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ሰብ ውግእ፡ ካብ ሰብን ካብ ኣሓን ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ሓንቲ ነፍሲ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኣልዕል።
29 ካብቲ ፍርቆም ውሰዱ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዚውዝወዝ መስዋእቲ ኪኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ።
30 ካብቲ ፍርቂ ናይ ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ካብ ሰብ፡ ካብ ኣሓ፡ ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን፡ ካብ ኲለን ከብቲ ከካብ ሓምሳ ሓደ ውሰድ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚብሄር ዚሕልዉ ሌዋውያን ሀቦም።
31 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ።
32 እቲ እተዘምተ፡ ካብቲ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት ሹድሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ በጊዕ።
33 ሰብዓን ክልተን ሽሕ ላም፡
34 ስሳን ሓደን ሽሕ ኣድጊ፡
35 ኲልዅለን ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብ ከኣ ምስ ተባዕታይ ምድቃስ ዘይፈላጣ ነፍሳት ኣዋልድ።
36 እቲ ፍርቂ፡ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ ቊጽሪ እተን ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓን ሽሕ ሓሙሽተን ሚእትን ኰነ።
37 ካብ ኣባጊዕ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሹድሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኰነ።
38 ኣሓ ድማ ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰብዓን ክልተን።
39 ኣእዱግ ከኣ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ስሳን ሓደን፡
40 ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ።
41 ሙሴ ድማ እቲ ግብሪ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ።
42 እቲ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ሙሴ ዝመቐሎ፡ ፈረቓ እቲ ግደ ደቂ እስራኤል ከኣ፡-
43 እቲ ናይቲ ኣኼባ ፍርቂ፡ ካብ ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡
44 ኣሓ ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ፡
45 ኣእዱግ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡
46 ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ ኰነ፡
47 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ ሙሴ ኻብዚ ናይ ደቂ እስራኤል ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፡ ከካብ ሓምሳ ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዚሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሀቦም።
48 እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሾሙ ሓላቑ ኣሽሓትን ሓላቑ ሚእትታትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፡
49 ንሙሴ ኸኣ፡ ገላዉኻ ቊጽሪ እቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ዓቀይቲ ቘጸርና፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን።
50 ነፍሲ ወከፍ ካባና ድማ ኣቕሓ ወርቂ ዝረከበ፡ ኣልቦ፡ ኣምባር፡ ቀለቤት፡ ኲትሻ፡ ድሪ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼተዐርቐና፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና፡ በልዎ።
51 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ በብዓይነቱ እተሰርሔ ኣቓሑ ወርቂ ኻባታቶም ወሰድዎ።
52 እቲ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ካብ ሓላቑ ሚእትታትን ንእግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ ዘቕረብዎ ዅሉ ወርቂ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል ኰነ።
53 እቶም ሰብ ውግእ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንርእሱ፡ ዚዅኖ ማሪኹ ነበረ።
54 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን ወሲዶም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ኪኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ።

 

1 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦም። እንሆ ኸኣ፡ ምድሪ ያዕዜርን ምድሪ ጊልኣድን ቦታ ማል ከም ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡
2 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን መጺኦም፡ ንሙሴን ንኻህን ኣልኣዛርን ንሹማምቲ ኣኼባን፡
3 ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራህን ሔስቦንን ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን ቤዖንን፡
4 እዛ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ዝወቕዓ ምድሪ፡ ምድሪ ማል እያ፡ ገላዉኻ ድማ ማል ኣለዋና፡ ኢሎም ተዛረብዎም።
5 ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኸብናስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንገላዉኻ ርስቲ ትወሀብ፡ ንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና፡ ከኣ በሉ።
6 ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን በሎም፡ ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ኪኸዱ ኸለዉዶ፡ ኣብዚ ኽትተርፉ ኢኹም፧
7 ስለምንታይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኸይአትዉ፡ ልቢ ደቂ እስራኤል እተድክሙ፧
8 ኣቦታትኩም ድማ፡ ምድሪ ኺርእዩ ኢለ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ ገበሩ።
9 ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደይቦም ነታ ምድሪ ምስ ረአይዋ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኻብ ምእታው ንልቢ ደቂ እስራኤል ኣሸበርዎ።
10 በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ኲራ እግዚኣብሄር ነደደ እሞ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፡
11-12 ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዐብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዐቡኒ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ነታ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ ከኣ ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።
13 ኲራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ዝገበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኣበሎም።
14 ኣቱም ትውልዲ ሓጥኣን ሰባት፡ ነቲ ነዳዲ ዅራ እግዚብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከተበርትዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሳእኩም።
15 ካብ ምስዓቡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ኸኣ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ይሐድጎም እሞ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዅሉ ተጥፍእዎ ኣሎኹም።
16 ንሳቶም ከኣ ናብኡ ቐሪቦም በሉ፡ ኣብዚ ንማልና ደምቤታት፡ ንቘልዑና ድማ ከተማታት ክንሰርሕ፡
17 ንሕና ግና፡ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም፡ ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ተዳሊና ኣጽዋር ሒዝና ኣሎና። ደቅና ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ ጽኑዓት ከተማታት ይቀመጡ።
18 ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዚረክብ፡ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን።
19 ርስትናስ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ በጺሑና እዩ እሞ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምሳታቶም ርስቲ ኣይንወርስን።
20 ሙሴ ድማ በሎም፡ እዚ ነገርዚ እንተ ጌርኩም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ሒዝኩም፡
21-22 ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚሰጎም፡ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፡ ኲሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምሲ፡ ድሕርቲ ትምለሱ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤልን ከኣ ብዘይ በደል ትዀኑ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።
23 ከምኡ እንተ ዘይገበርኩም ግና፡ እንሆ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገበርኩም፡ ሓጢኣትኩም ከም ዚረኽበኩም ድማ ፍለጡ።
24 ንደቅኹም ከተማታት፡ ነባጊዕኩም ከኣ ደምቤታት ስርሑ፡ እቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወጸ ድማ ግበርዎ።
25 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንሙሴ፡ ገላዉኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝአዘዞ ኺገብሩ እዮም።
26 ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኲሉ ማልናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልኣድ ይኹኑ።
27 ገላውኻ ግና ኲላቶም ንውግእ ኣጽዋር ዝሐዙ፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ ይሳገሩ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
28 ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን፡ ንሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ።
29 ሙሴ ኸኣ፡ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣጽዋር ዝሐዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ፡ ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፡ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝኤት፡ ሽዑ ምድሪ ጊልኣድ ርስቲ ሀብዎም።
30 ኣጽዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ማእከልኩም ይረስተዩ፡ በሎም።
31 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ፡ ከምቲ እግዚብሄር ንገላዉኻ ዝበሎም፡ ከምኡ ንገብር።
32 ንሕና ኣጽዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነኣን ንሳገር፡ እቲ እንርስተዮ ርስቲ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ይኹነልና፡ ኢሎም መለሱ።
33 ሙሴ ኸኣ ንኣታቶም ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፡ መንግስቲ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ እታ ሃገር፡ ከተማታታ ምስ ከባቢኤን፡ ናይታ ኣብ ዙርያ ዘላ ሃገር ከተማታት ድማ ሀቦም፡
34 ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን ዓጣሮትን ዓሮዔርን፡
35 ዓጥሮት-ሾፋንን ያዕዜርን ዮግብሃን፡
36 ቤት-ኒምራን ቤት-ሃራንን፡ እተዐርዳ ከተማታት፡ ደምቤታት ኣባጊዕ ከኣ ሰርሑ።
37 ደቂ ሮቤል ድማ ሔስቦንን ኤልዓለን ቂርያታዪምን፡
38 ኔቦን በዓል-ሜዖንን ሰርሑ፡ – ስመን ከኣ ተለወጠ፡ – ሲብማውን ሰርሑ። ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከኣ ካልእ ስም ኣውጽኡለን።
39 ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ናብ ጊልኣድ ከይዶም ሐዝዋ፡ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ሰጐጕዎም።
40 ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልኣድ ሀቦ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጠ።
41 ያኢር ወዲ ምናሴ ድማ ከይዱ ዓድታቶም ሐዘ፡ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸኣ ሰመየን።
42 ኖባ ድማ ከይዱ ንቔናትን ኣቚሻታን ሓዛ፡ ብስሙ ኸኣ ኖባ ኣውጽኣላ።

1 ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣጓዕዛኦም እዚ እዩ፡
2 ሙሴ ድማ ነቲ ምውጻኦም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ምጕዓዞም ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ጸሐፎ። እቲ ኣጓዕዛኦም ከምቲ ምንቃሎም እዚ እዩ፡
3-4 በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኻብ ራዕምሌስ ነቐሉ። ግብጻውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእከሎም ዝቐተሎም ኲላቶም በዅርታት ኪቐብሩ ኸለዉ፡ ንኣማልኽቶም ድማ እግዚኣብሄር ምስ ፈረደሎም፡ ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ኲሎም ግብጻውያን እናረአይዎም ብልዕልቲ ኢድ ጽባሕ ፋስጋ ወጹ።
5 ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ፡ ኣብ ሱኮት ከኣ ሰፈሩ።
6 ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ።
7 ካብ ኤታም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጼፎን ናብ ዘላ ጲ-ሃሒሮት ተመሊሶም፡ ኣብ መጣምቲ ሚግዶል ሰፈሩ።
8 ካብ መንጽር ሃሒሮት ነቒሎም ድማ፡ ብማእከል ባሕሪ ገይሮም ናብ በረኻ ሰገሩ። ኣብ በረኻ ኤታም መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ከኣ፡ ኣብ ማራ ሰፈሩ።
9 ካብ ማራ ነቒሎም ድማ፡ ናብ ኤሊም መጹ። ኣብ ኤሊም ከኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ።
10 ካብ ኤሊም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ፡
11 ካብ ባሕሪ ኤርትራ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ።
12 ካብ በረካ ሲን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዶፍቃ ሰፈሩ።
13 ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ።
14 ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ፡ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ኣይነበረን።
15 ካብ ረፊዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረካ ሲና ሰፈሩ።
16 ካብ በረካ ሲና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባ ሰፈሩ።
17 ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጼሮት ሰፈሩ።
18 ካብ ሓጼሮት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ።
19 ካብ ሪትማ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሞን-ጰሬጽ ሰፈሩ።
20 ካብ ሪሞን-ጰሬጽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሊብና ሰፈሩ።
21 ካብ ሊብና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ።
22 ካብ ሪሳ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ።
23 ካብ ቄሄላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረን ሸፈር ሰፈሩ።
24 ካብ ከረን ሸፈር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ።
25 ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ።
26 ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ታሕት ሰፈሩ።
27 ካብ ታሓት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ።
28 ካብ ታራ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ።
29 ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ።
30 ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ።
31 ካብ ሞሴሮት ነቒሎምውን፡ ኣብ ብነ-ያዓቃን ሰፈሩ።
32 ካብ ብነ-ያዓቃን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሖር-ሃጊድጋድ ሰፈሩ።
33 ካብ ሖር-ሃጊድጋድ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ።
34 ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ።
35 ካብ ዓብሮና ነቒሎምውን፡ ኣብ ኤጽዮን-ጋበር ሰፈሩ።
36 ካብ ኤጽዮን-ጋበር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ በረካ ጺን ሰፈሩ፡ ንሱ ቃዴስ እዩ።
37 ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ኣብ ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ።
38 ካህን ኣሮን ከኣ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ ከረን ሆር ደየበ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብኡ ሞተ።
39 ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ።
40 እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ኣራድ፡ ኣብ ደቡብ ሃገር ከነኣን ዚነብር ከኣ፡ ደቂ እስራኤል ከም ዝመጹ ሰምዔ።
41 ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ።
42 ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ።
43 ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣቦት ሰፈሩ።
44 ካብ ኣቦት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዒየ-ዓባሪም፡ ዶብ ሞኣብ፡ ሰፈሩ።
45 ካብ ዕዪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዲቦን-ጋድ ሰፈሩ።
46 ካብ ዲቦን-ጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ሰፈሩ።
47 ካብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ኣኽራን ዓባሪም ኣብ መንጽር ኔቦ ሰፈሩ።
48 ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ሰፈሩ።
49 ኣብ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤት-የሺሞት ክሳዕ ኣቤል-ሺጢም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ።
50 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
51 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡
52 ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም፡ ኲሉ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኲሉ ዝፈሰሰ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኲሉ በረኽቲ ቦታኦም ኣፍርሱ።
53 እታ ሃገር ክትርስተይዋ ሂበኩም እየ እሞ፡ ነታ ሃገር ተረስተይዋ፡ ኣብኣውን ንበሩ።
54 ነታ ምድሪ ኸከም ዓሌትኩም ብዕጭ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሀብዎም፡ ነቶም ሒደት ድማ ጸቢብ ርስቲ ሀብዎም። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጩ ዝበጽሓቶ ኣብኣ ይረስተ፡ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ተረስተዩ።
55 ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጐጕኩምዎም ግና፡ እቶም ካባታቶም ዘትረፍኩምዎም ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፡ ኣብ መሰንገሌኹም ከኣ ዳንዴር ኪዀኑኹም እዮም፡ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ኬጨንቑኹም እዮም።
56 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ንኣታቶም ክገብሮም ዝሐሰብኩ፡ ንኣኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም፡ በሎም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡ እታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ።
3 ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን።
4 ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ። ብደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእ። ብሓጻር-ኣዳር ወጺኡ ኸኣ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ።
5 ካብ ዓጽሞን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙር፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእ።
6 ዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናብ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን።
7 ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ።
8 ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ጸዳድ ይውጻእ።
9 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻር-ዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን።
10 ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከኣ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳዕ ሼፋም ኣመልክቱሉ።
11 እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕ።
12 እቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከኣ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶብ ሃገርኩም ትኹን።
13 ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ እታ ብዕጭ እትርስተይዋ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ክትወሀብ ዝአዘዘ፡ እዚኣ እያ።
14 እሞ ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ረርስቶም ሐዙ። ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኸኣ ርስቶም ሐዙ።
15 እዞም ክልተ ነገድን እዚ ፈረቓ ነገድን ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ረርስቶም ሐዙ።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
17 ስም እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዚመቕሉልኩም ሰባት እዚ እዩ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን።
18 ንምምቃል እታ ምድሪ ንርስቲ ድማ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ።
19 ስም እቶም ሰባት ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ካሌብ ወዲ የፋኔ።
20 ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፡ ሽሙኤል ወዲ ዓሚሁድ።
21 ካብ ነገድ ብንያም፡ ኤሊዳድ ወዲ ኪስሎን።
22 ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡ ሹም ቡቂ ወዲ ዮግሊ።
23 ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ።
24 ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን።
25 ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ።
26 ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን።
27 ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ።
28 ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡ ሹም ጴዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።
29 እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነኣን ርስቲ ኺመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝአዘዞም እዚኣቶም እዮም።

 

 

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል፡ ካብቲ ዝወረስዎ ርስቲ ንሌዋውያን ዚነብሩለን ከተማታት ኪሀብዎም፡ ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ከባቢኤን ከኣ ንሌዋውያን ሀብዎም።
3 ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም፡ እታ ኣብ ከባቢኤን ዘላ ምድሪ ድማ ንማሎምን ንጥሪቶምን ንዅሉ እንስሳኦምን ትኹን።
4 እታ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከከባቢ ኸተማታት ዘላ ምድሪ ድማ፡ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ፡ ምግፋሓ ሽሕ እመት ትኹን።
5 ብወጻኢ ኸተማ ብሸነኽ ምብራቕ ከኣ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ደቡብ ድማ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ምዕራብ ከኣ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ክልተ ሽሕ እመት ስፈሩ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ማእከል ትኹን። እዚ ኸኣ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም።
6 እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ቀታል ነፍሲ ምእንቲ ኺሀድመለን እትህብዎ ሹድሽተ ኸተማታት መዕቈቢ ይኹና። ኣብ ልዕሊኤን ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሀብዎም።
7 እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ኲለን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማታት፡ መምስ ከባቢኤን ይኹና።
8 ብዛዕባ እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፡ ካብቶም ሒደት ዘለዎም ከኣ ሒደት ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እታ እተረስተያ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሀብ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ፡
10 ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ተሳገርኩም፡
11 ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለት ቐታሊ ዚሀድመለን ከተማታት መዕቈቢ ዚዀናኹም፡ ንኣኻትኩም ከተማታት ፍለዩ።
12 እቲ ቐታሊ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ደው ከይበለ ኸይመውት፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ይኹናኹም።
13 እተን እትህብወን ከተማታት፡ ሽድሽተ ኸተማ መዕቈቢ ይኹናኹም።
14 ሰለስተ ኸተማ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ሀቡ፡ ሰለስተ ኸተማ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሀቡ፡ ከተማታት መዕቈቢ ይኹና።
15 ንደቂ እስራኤል ኰነ፡ ንጓና ኸነ፡ ምሳታቶም ንዚነብር ስደተኛ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ፍልጠት ነፍሲ ዝቐተለ ናባታተን ኪሀድም፡ እዘን ሽድሽተ ኸተማ እዚኤን መዕቈቢ ይኹና።
16 ብኣቕሓ ሓጺን እንተ ወቕዖ ግና፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸኣ ርግጽ ይሙት።
17 ወይስ ኣብ ኢድ ብዝሐዞ ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ድማ ርግጽ ይሙት።
18 ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሐዞ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኪቐትል ብዚኽእል እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸኣ ርግጽ ይሙት።
19 እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታሊ ይቕተሎ። ምስ ዚረኽቦ ባዕሉ ይቕተሎ።
20 ብጽልኢ እንተ ደፍኦ ኸኣ፡ ወይ ተጸናትዩ ገለ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡
21 ወይ ጽልኢ ነይርዎ ብኢድ እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ እቲ ዝወቕዖ ቐታል ነፍሲ እዩ እሞ፡ ርግጽ ይሙት። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታሊ ምስ ዚረኽቦ ይቕተሎ።
22-23 ብጽልኢ ዘይኰነ፡ ብድንገት እንተ ደፍኦ ግና፡ ንሱ ጸላኢኡ እንተ ዘይነበረ፡ ወይ ከኣ ንኽፉኡ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ከይተጸናተወ ገለ ነገር እንተ ደርበየሉ፡ ወይ ከይረኣዮ ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡
24 ሽዑ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳይ ደምን በዚ ሕጊ እዚ ይፍረድ፡
25 እቲ ኣኼባ ኸኣ ነት ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም የድሕኖ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ናብታ ሀዲሙላ ዝነበረ ኸተማ መዕቈቢቱ ይምለሶ። እቲ ብቕዱስ ቅብኢ እተቐብኤ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ይጽናሕ።
26 እቲ ቐታሊ ኻብ ዶብ እታ ዝሀደመላ ኸተማ መዕቈቢቱ እንተ ወጸ ግና፡
27 እቲ ፈዳይ ደም ከኣ ኣብ ወጻኢ ዶብ እታ ኸተማ መዕቈቢቱ እንተ ረኸቦ፡ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ነቲ ቐታሊ እንተ ቐተሎ፡ ዕዳ ደም የብሉን።
28 እቲ ቐታሊ ኽሳዕ ሞት እቲ ለቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ መዕቈቢቱ ኺጸንሕ ይግብኦ ነይሩ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ምድሪ ርስቱ ይመለስ።
29 እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም።
30 ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ እቲ ቐታሊ ብኣፍ ምስክር ይቀተል፡ ምስክር ሓደ ግና ንሞት ነፍሲ ምስክር ኣይኹን።
31 ካብቲ ሞት ዚግብኦ ቐታሊ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፡ ርግጽ ሞት ደኣ ይሙት።
32 ስለ እቲ ናብ ከተማ መዕቈቢቱ ዝሀደመ፡ ሊቀ ኻህናት ከይሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኺምለስ ኢልኩም፡ ጋር ኣይትቀበሉ።
33 ደም፡ ንሱ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፡ ነታ ዘሎኹምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ሃገር ድማ ብዛዕባ እቲ እተኻዕዋ ደም ብጀካ ደም እቲ ደም ዝኸዐወ ኣይትዕረቕን እያ።
34 ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል እሐድር እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ኣብ ማእከላ ዝሐደራ፡ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር ኣይተርክስዋ።

 

1 ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዓሌት ደቂ ጊልኣድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ቀረቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምቲ፡ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራእልን ከኣ ተዛረቡ፡
2 በሉ ድማ፡ እግዚኣብሄር እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ብዕጭ ኪህቦም ንጐይታይ ኣዘዞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ እታ ርስቲ ጸሎፍሓድ ሓውና፡ ነዋልዱ ኺህበን ኣዘዞ።
3 ንሳተን ከኣ ናብ ገለ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት ደቂ እስራኤል እንተ ተአትዋ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ድማ ይውሰኽ። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ብዕጭ እተረስቴናዮ ይንከ።
4 ንደቂ እስራኤል ዓመት እልልታ ምስ ኰነሎም፡ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ይውሰኽ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይንከ።
5 ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ።
6 እግዚኣብሄር ብናይ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ናብ ዝፈተዋኦ ይተአተዋ። ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራይ ግዳ ይተአተዋ።
7 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይጽናዕ እምበር፡ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ።
8 ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ዘበለት ጓል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኺወርስ፡ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትተአቶ።
9 ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይጽናዕ እምበር፡ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።
10 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበራ።
11 ማሕላ፡ ቲርጸ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ኖዓ፡ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ኣብ ደቂ ሓወቦታተን ተአትዋ።
12 ኣብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተአትዋ፡ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኤን ተረፈ።
13 እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞአብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ዝአዘዞም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።

 

 

 

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...