ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ኦሪት ዘጸአት (Exodus )

መጽሓፍ ዘጸኣት ካብቲ ዮሴፍን ኣሕዋቱን እቲ ዘገልገለሉ ፈርኦንን ዝሞቱሉ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ጸኒሓ እያ እትጅምር። እቲ ሓድሽ ፈርኦን ብዘርኢ ያእቆብ ስለ ዘፈራርሆ እስራኤላውያን እናበዝሑ ስለ ዝኸዱ ናብ ባርነት ኣገዲዶም ንዅሎም እብራውያን ብፍላይ ከኣ ንዅሎም ኣወዳት ኣብ ፈለግ ኒል ክውለዱ ኣገደድዎም። ሓንቲ ኻብተን እብራውያን ኣንስቲ ነቲ ትእዛዝ ተቓወመቶ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ናጽላ ወዳ ኣብ ሳጹን ፓፒረስ ጸምበለል ብምባል ከተድሕኖ ደለየት። ይኹን እምበር ጓል ፈርኦን ነቲ እተጠንጠነ ቘልዓ ምስ ረኸበቶ ሙሴ ኢላ ሰመየቶ ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ንኼድሕኖም ሞሰ ጸውዖም ። ኣብ መወዳእታ እስራኤላውያን ተጓዒዞም ናብ እስራኤል በጽሑ ።

ኦሪት ዘጸአት (Exodus )

1 እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ፡
2 ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌውን ይሁዳን፡
3 ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡
4 ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን።
5 ካብ ሕቘ ያእቆብ ዝወጹ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ።
6 ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን፡ እቲ ወለዶ ዅሉ ከኣ ሞቱ።
7 ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰኑ፡ በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት።
8 ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ።
9 ንሱ ድማ ንህዝቡ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን፡
10 እምበኣርከ ኸይበዝሑ እሞ፡ ውግእ ምስ ዚለዐለና፡ ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሐቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ፡ ንዑ ንጣበበሎም፡ በሎም።
11 ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብቡሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርኦን ድማ ጲቶምን ራዕምሴስን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ።
12 ብመጠን እቲ ዘጽበቡሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ።
13 ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዕየይዎም።
14 ንህይወቶም ድማ ብብርቱዕ ዕዮ፡ ብባዕጥን ብጡብን ብዅሉ ዕዮ መሮርን በቲ ዅሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም።
15 ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ እታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጱዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡
16 ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኽን፡ ኣብቲ ዚሐርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ዀነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ዀነት ግና ብህይወታ ትንበር።
17 እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈሪሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሐደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን።
18 ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እትሐድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገበርክን፧ በለን።
19 እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኰናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ፡ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሐሪሰን ይጸንሓ፡ በላኦ።
20 ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዪ ኸኣ በርትዔ።
21 ኰነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገበረለን።
22 ሽዑ ፈርኦን ንዅሉ ህዝቢ፡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወተን ሕደግወን፡ ኢሉ ኣዘዘ።

1 ሓደ ሰብኣይ ከኣ ካብ ቤት ሌዊ ኸይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ።
2 እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲውን ወለደት። ንሱ ጽቡቕ ቈልዓ ምዃኑ ምስ ረኣየት ከኣ፡ ሰለስተ ወርሒ ሐብኣቶ።
3 ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡ ሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቘልዓ ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ፡ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ።
4 ሓብቱ ድማ እንታይ ከም ዚረኽቦ ኽትፈልጥ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።
5 ጓል ፈርኦን ከኣ ክትሕጸብ ናብ ርባ ወረደት፡ እተን ኣግራዳ ድማ ገምገመገምገም እቲ ርባ ይዛወራ ነበራ። ኣብ ማእከል ሰልሰላ ሳጹን ረኣየት እሞ፡ ገረዳ ሰዲዳ ኣምጽኣቶ።
6 ከፊታ ድማ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ይበኪ ነበረ። ደንጊጻትሉ ድማ፡ እዚ ኻብ ሕጻናት እብራውያን እዩ፡ በለት።
7 ሽዑ እታ ሓብቱ ንጓል ፈርኦን፡ ካብተን እብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጉዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧ በለታ።
8 ጓል ፈርኦን ከኣ፡ ኪዲ፡ በለታ። እታ ጓል ድማ ከደት፡ ነደ እቲ ሕጻን ከኣ ጸውዓታ።
9 ጓል ፈርኦን ድማ፥ ነዚ ሕጻንዚ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፡ ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ፡ በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ።
10 እቲ ሕጻን ከኣ ዐበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶ። ወዳ ድማ ዀነ። ካብ ማይ ኣውጺኤዮ እየ፡ ኢላ ስሙ ሙሴ ኣውጽኣትሉ።
11 ኰነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ እሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረኣየ። ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱ፡ ኪወቕዖ ረኣየ።
12 ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሐብኦ።
13 በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸ፡ እንሆ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረኣየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከመይ ንብጻይካ እትወቕዖ፧ በሎ።
14 ንሱ ድማ፡ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒዶ ትደሊ ኣሎኻ፧ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄ፡ እዚ ነገርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ።
15 ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ።
16 ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ።
17 ጓሶት ድማ መጺኦም ሰጐጕወን፡ ሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤን፡ ኣባጊዔን ድማ ኣስተየ።
18 ናብ ኣቦኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፤ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፧ በለን።
19 ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነና፡ ማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየልና፡ በላኦ።
20 ነዋልዱ ድማ፡ ኣበይ ደኣ ኣሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግኽንኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ፡ በለን።
21 ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦ።
22 ወዲ ድማ ወለደት እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ፡ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ።
23 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉስ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ።
24 ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዔ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ።
25 ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።

 

1 ሙሴ ድማ ኣባጊዕ የትሮ ሓሙኡ፡ ካህን ሚድያን፡ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽ፡ መጸ።
2 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። እንተ ጠመተ ድማ እንሃ፡ እታ ቘጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዔትን።
3 ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ዓብዩ ትርኢት እዚ፡ እዛ ቘጥቋጥ ከመይ ኢላ ሞዅ ከም ዘይትብል ደኣ ኸይደ ኽርኢ፡ በለ።
4 እግዚኣብሄር ድማ ኪርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረኣየ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል እታ ቘጥቋጥ፡ ሙሴ፡ ሙሴ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፤ እኔኹ፡ በለ።
5 ሽዑ ኸኣ፡ ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በለ።
6 ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሄ እሞ፡ ገጹ ኸደነ።
7 እግዚኣብሄር ድማ፡ ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ ኣሎኹ።
8 ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ቦታ ኸነኣናውያንን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከድይቦም እየ።
9 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ፡ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርኤኹ።
10 እምበኣር ሕጂ ንዓ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ።
11 ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ፧ በሎ።
12 ኣምላኽ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኩንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም፡ በለ።
13 ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ እንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧ በሎ።
14 ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴ፡ እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም።
15 ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ።
16 ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ብርግጽ በጺሔኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሩኹም ድማ ርኤኹ።
17 ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩ።
18 ቃልካ ኸኣ ኪሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ፡ በልዎ።
19 ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንጉስ ግብጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሐድገኩም እፈልጥ ኣሎኹ።
20 በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ዅሉ ተኣምራተይ ከኣ ኢደይ ዘርጊሔ ንግብጺ ኽወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ኪሐድገኩም እዩ።
21 ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም።
22 ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን፡ ካብታ ኣብ ቤታ እትነብርን ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን፡ ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፡ ንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም።

1 ሙሴ ድማ፡ እንሆ፡ ንሳቶም፤ እግዚኣብሄር ኣይተራእየካን፡ ኪብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም፡ ኢሉ መለሰ።
2 እግዚኣብሄር ድማ፤ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፤ በትሪ፡ በለ።
3 ንሱ ድማ፤ ናብ ምድሪ ደርብያ፡ በለ። ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን ከኣ ኰነት። ሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ።
4 እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኡ ሐዞ፡ በሎ።ኢዱ ዘርጊሑውን ሐዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ዀነ።
5 እዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኺኣምኑ እዩ።
6 እግዚኣብሄር ድማ ወሲኹ፤ ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ በሎ። ናብ ትሽትሹ ኸኣ ኣእተዋ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ ኢዱ ብለምጺ ኸም በረድ ጻዕድያ ነበረት።
7 ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ ከኣ በለ። ኢዱ ናብ ትሽትሹ ኣእተወ። ካብ ትሽትሹ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት።
8 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እንተ ዘይኣመኑኻ፡ ንቓል እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘይሰምዑ፡ ንቓል እቲ ዳሕራይ ትእምርቲ ኺአምኑ እዮም።
9 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣመኑ፡ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብቲ ርባ ማይ ውሰድ እሞ፡ ናብቲ ንቑጽ ክዐዎ። እቲ ኻብ ርባ ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ።
10 ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፤ ኣየ ጐይታይ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን፡ በሎ።
11 እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ዶ ኣይኰንኩን፧
12 ሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ።
13 ንሱ ግና፡ በጃካ ጐይታይ፡ በቲ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ፡ በሎ።
14 ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፧ ንሱ ጽቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ ኣሎ፡ ምስ ረኣየካ ድማ ብልቡ ኺሕጐስ እዩ።
15 ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፡ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ኸኣ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ኰይነ እቲ እትገብርዎ ኽምህረኩም እየ።
16 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ንሱ ኣፍ ይዀነካ፡ ንስኻ ድማ ከም ኣምላኽ ትዀኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ።
17 ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፡ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ዉሰዳ።
18 ሙሴ ኸደ፡ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ ኸኣ፤ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፡ ገና ብህይወት እንተ ኣልዮም ደኣ ኽርኢ ክኸይድ፡ በሎ። የትሮ ኸኣ ንሙሴ ብሰላም ኪድ፡ በሎ።
19 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ሚድያን፡ እቶም ንነፍስኻ ዚደልይዋ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ሞይቶም ኢዮም እሞ፡ ኪድ ናብ ግብጺ ተመለስ፡ በሎ።
20 ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመለሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ።
21 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ግብጺ ኽትምለስ ኢልካ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ነተን ክትገብረን ኣብ ኢድካ ዝሀብኩኻ ዅለን ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክትገበረን ተጠንቀቕ። ኣነ ግና ልቡ ኸጽንዖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣይሐድጎን።
22 ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ፡
23 እሞ ንወደይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻ። እንሆ፡ ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ክቐትል እየ።
24 ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፡ ኪቐትሎውን ደለየ።
25 ሽዑ ጺጶራ ጽልጽለ ወሲዳ፡ ዕልቦ ወዳ ገዘረት፡ ናብ ኣእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፡ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለቶ።
26 ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፤ ብምኽንያት ግዝረት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት።
27 እግዚኣብሄር ከኣ ንኣሮን፡ ኪድ ንሙሴ ኣብ በረኻ ተቐበሎ፡ በሎ። ከይዱ ድማ ኣብ ከረን ኣምላኽ ተጓነፎ፡ ሰዐሞ ኸኣ።
28 ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብእኡ ዝለኣኾ ዅሉ ቃልን እቲ ዝኣዘዞ ዅሉ ትእምርትታትን ንኣሮን ነገሮ።
29 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ።
30 ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ነገር ኣዛረቦም። እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ።
31 እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝበጽሖም፡ ጸበባኦምውን ከም ዝረኣየ ምስ ሰምዑ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

 

1 ድሕርዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፤ ንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ኪገብሩለይ፡ ሕደጎም።
2 ፈርኦን ድማ፤ እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ፡ በለ።
3 ንሳቶም ድማ፤ ኣምላኽ እብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፡ ፌራ ወይ ሴፍ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኼድና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፡ በጃኻ ፍቐደልና፡ በልዎ።
4 ንጉስ ግብጺ ኸኣ፤ ዎ ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ ኻብ ዕዮኡ ተብኵርዎ ኣሎኹም፧ ናብ ዕዮኹም ኪዱ፡ በሎም።
5 ፈርኦን ድማ፤ እንሆ፡ እዚ ህዝቢ ሕጂ ኣብዛ ሃገር በዚሑ እዩ። ካብ ዕዮኦም ከኣ ተዕርፍዎም ኣሎኹም፡ በለ።
6 ፈርኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፤
7 ደጊም ባዕላቶም ከይዶም ሓሰር ይአክቡ እምበር፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም ንመስርሕ ጡብ ሓሰር ኣይትሀብዎም።
8 ቍጽሪ ጡብ ድማ ከምቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣግብርዎም፡ ካብኡ እኳ ኣይተጕድሉ። ሃካያት እዮም እሞ፡ ስለዚ፤ ንኣምላኽና ኽንስውእ ንኺድ፡ ኢሎም ይጠርዑ ኣለዉ።
9 ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ ዘረባ ሓሶት ከየቕልቡ፡ ዕዮ ይኽበዶም፡ ንእኡ ድማ ይዕየዩ።
10 ሽዑ እቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ወጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ በልዎም፤ ፈርኦን ከምዚ ይብል፡ ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፡
11 ናብ እትረኽቡሉ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ዕዮኹም ግና ገለ ኣይጕደል።
12 እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሓሰር ብርዒ ኺእክብ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ።
13 እቶም ሓላቑ ድማ፤ እቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ዕዮ፡ ከምቲ ሓሰር ከሎኩም፡ ነንመዓቲ ምልኡ፡ ኢሎም ሀወኽዎም።
14 ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል መዕየይቲ ኪዀኑ፡ ሓላቑ ፈርኦን ዝሸምዋም ድማ፤ እቲ እተመደበልኩም ዕዮ ጡብ ደኣ ትማልን ሎምንከ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘይመላእኩም፧ ኢሎም ገረፍዎም።
15 እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ፈርኦን ከይዶም ጠርዑ፡ ስለምንታይ ንገላዉኻ ኸምዚ ትገብረና ኣሎኻ፧
16 ንገላዉኻ ሓሰር ኣይህቡን፡ ጡብ ግበሩ ድማ ይብሉና። እንሆ ኸኣ፡ ገላዉኻ ተገርፉ፡ እዚ ግና ሓጢያት ህዝብኻ እዩ፡ በሉ።
17 ንሱ ግና፤ ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም፡ ሃካያት ኢኹም። ስለዚ፤ ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ንኺድ፡ ትብሉ ኣሎኹም።
18 ሕጂ ድማ ኪዱ ዕየዩ። ሓሰር ኣይትወሀቡን፡ እቲ ምዱብ ቍጽሪ ጡብ ግና ክትህቡ ኢኹም።
19 ካብቲ ነናይ መዓልቲ ቝጽሪ ጡብ ኣይተጕድሉ፡ ምስ በልዎም፡ እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝገደዶም ረኣዩ።
20 ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ተጓነፍዎም፡ ንሳቶም ኪረኽብዎም ደው ኢሎም ነበሩ።
21 በልዎም ድማ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ጨናና ኣኽፋእኩም፡ ንምቕታልና ኸኣ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣትሓዝኩምዋም። ስለዚ እግዚኣብሄር ይርኤኹም፡ ይፍረድ ድማ።
22 ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፤ ጐይታይ፡ ከመይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፧ ድማ በለ።
23 ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛረብኩላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሐንካዮን፡ ከኣ በለ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ሕጂ ኽትርኢ ኢኻ፡ ብሓያል ኢድ ኪሐድጎም እዩ፡ ኤረ ብሓያል ኢድ ካብ ሃገሩ ኺሰጎም እዩ፡ በሎ።
2 ኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፡ በሎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡
3 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም፡ ብስመይ እግዚኣብሄር ግና ኣይተፈለጥኵሎምን።
4 እታ ተስዲዶምዋ ዝነበሩ ምድሪ ስደቶም፡ ሃገር ከንኣን ክህቦም ምስታቶም ኪዳነይ ኣቘምኩ።
5 ኣነ ድማ ቍዝማ እቶም፡ ግብጻውያን ባሮት ዝገበርዎም፡ ደቂ እስራኤል ሰሚዔ፡ ኪዳነይ ዘከርኩ።
6 ስለዚ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፡ ካብ ባርነቶም ከኣ ሓራ ኸውጽኣኩም እየ፡ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን ከድሕነኩም እየ።
7 ህዝበይ ክትኰኑ ድማ እወስደኩም፡ ኣምላኽ ከኣ እዀነኩም። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ዘውጽኣኩም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
8 ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ክህቦም ኢደይ ዝዘርጋሕኩላ ምድሪ ኸኣ ከእትወኩም እየ፡ ንሳ ድማ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9 ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ከምኡ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጸበባ ነፍሶምን ካብ ምብርታዕ ዕዮኦምን እተላዕለ ንሙሴ ኣይሰምዕዎን።
10 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
11 ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቲኻ፡ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኺሐድጎም ተዛረቦ።
12 ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፡ ኣነ ግዳ ኸናፍረይ ዘይግዙር፡ ከመይ ገይሩ ፈርኦን ኪሰምዓኒ፧ ኢሉ ተዛረቦ።
13 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኼውጽኡ፡ ናብ ደቂ እስራኤልን ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኪኸዱ ኣዘዞም።
14 ሓላቑ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን፡ ሔጽሮንን ካርሚን። እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤል እዮም።
15 ደቂ ስምኦን ድማ፡ ይሙኤልን ያሚንን ኦሓድን ያኪንን ጾሓርን ሻውል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን። እዚኣቶም ዓሌታት ስምኦን እዮም።
16 ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብወለዶኦም እዚ እዩ፡ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን። ዓመታት ህይወት ሌዊ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ፡
17 ደቂ ጌርሾን፡ ሊብኒን ሺምዒን በብማይ ቤቶም።
18 ደቂ ቀሃት ድማ፡ ዓምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። ዓመታት ህይወት ቀሃት ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።
19 ደቂ መራሪ ኸኣ፡ ማሕሊን ሙሺን። እዚኣቶም በብወለዶኦም ማይ ቤት ሌዊ እዮም።
20 ኣምራም ከኣ ንዮካቤድ ኣሞኡ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። ዓመታት ህይወት ኣምራም ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ።
21 ደቂ ይጽሃር ከኣ፡ ቆራሕን ኔፌግን ዚክሪን።
22 ደቂ ኡዚኤልውን፡ ሚሻኤልን ኤልጻፋንን ሲትሪን።
23 ኣሮን ድማ ንኤልሼባ ጓል ኣሚናዳብ፡ ሓብቲ ናሕሾን፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ንሳ ኸኣ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ወለደትሉ።
24 ደቂ ቆራሕ ድማ፡ ኣሲርን ኤልቃናን ኣብያሳፍን። እዚኣቶም ማይ ቤት ቆራሓውያን እዮም።
25 ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ካብ ኣዋልድ ጱጢኤል ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰደ። ንሳ ኸኣ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብዓሌቶም ሓላቑ ኣቦታት ሌዋውያን እዮም።
26 እቲ ኣሮንን እቲ ሙሴን፡ እግዚኣብሄር፡ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ዝበሎም፡ እዚኣቶም እዮም።
27 እቶም ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኼውጽእዎም፡ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ እተዛረቡ፡ እቲ ሙሴን እቲ ኣሮንን እዚኣቶም እዮም።
28 ኰነ ኸኣ፡ በታ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተዛረበላ መዓልቲ፡
29 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እዚ ኣነ ዝዛረበካ ዅሉ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዛረቦ።
30 ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ኣነ ኸናፍረይ ኣይተገዝረን፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ፈርኦን ኪሰምዓኒ፧ በለ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ርኤ፡ ኣነ ንፈርኦን ከም ኣምላኹ ገበርኩኻ፡ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪ ይኹንካ።
2 ንስኻ እቲ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ነገር፡ ኣሮን ሓውካ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኺሐድጎም፡ ንፈርኦን ይንገሮ።
3 ኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ከጽንዖ እየ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ትእምርትታተይን ተኣምራተይን ኸብዝሖ እየ።
4 ፈርኦን ከኣ ኣይኪሰምዓኩምን እዩ። ኣነ ኸኣ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኸንብር እየ፡ ንሰራዊተይ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ብዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ።
5 ግብጻውያን ድማ፡ ኢደይ ናብ ግብጺ ዘርጊሔ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ፡ ኪፈልጡ እዩም።
6 ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ።
7 እቲ ምስ ፈርኦን ኪዛረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፡ ኣሮን ድማ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ኰይኖም ነበሩ።
8 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
9 ፈርኦን፡ ተኣምራት ኣርእዩኒ፡ ኢሉ እንተ ተዛረበኩም፡ ንኣሮን፡ በትርኻ ወሲድካ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ደርብያ እሞ፡ ተመን ክትከውን እያ፡ በሎ።
10 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ናብ ፈርኦን ኣተዉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ድማ ከምኡ ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን በትሩ ደርበየ፡ ተመን ከኣ ዀነት።
11 ፈርኦን ድማ ነቶም ጠቢባንን ሰረይትን ጸውዖም። ንሳቶም፡ እቶም ጠንቈልቲ ግብጺ፡ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።
12 ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፡ ኣትማን ከኣ ዀና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሐጠተን።
13 ልቢ ፈርኦን ድማ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ንኣታቶም ኣይሰምዖምን።
14 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ነቲ ህዝቢ ኸይሐድጎ ኣበየ።
15 ጽባሕ ንግሆ ናብ ፈርኦን ኪድ። እንሆ፡ ናብ ማይ ኪወጽእ እዩ እሞ፡ እታ ንተመን እተለወጠት በትሪ ኣብ ኢድካ ወሲድካ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢልካ ተራኸቦ።
16 በሎ ኸኣ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ ኼገልግሉኒ ሕደጎም፡ እንሆ ድማ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይሰማዕካን፡ ኢሉ ናባኻ ለኣኸኒ።
17 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ በዚ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። ንሱ ድማ ናብ ደም ኪልወጥ እዩ።
18 እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዓሳውን ይመውት። እቲ ርባ ድማ ይጽይእ፡ ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ምስታይ ይፍንፍኑ።
19 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮን፡ በትርኻ ወሲድካ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝቶምን ናብ ልዕሊ ርባታቶምን ናብ ልዕሊ ቐላያቶምን ናብ ልዕሊ ዅሉ መዕቈር ማዮምን ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ደም ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብጺ ደም ኪኸውን እዩ በሎ።
20 ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ። ንሱ ኸኣ በትሩ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዅሉ ማይ ከኣ ናብ ደም ተለወጠ።
21 እቲ ኣብ ርባ ዝነበረ ዓሳ ድማ ሞተ። እቲ ርባውን ጸይኤ። ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ኪሰትዩ ኣይከኣሉን፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ደም ኰነ።
22 እቶም ጠንቈልቲ ግብጺ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርኦን ከኣ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።
23 ፈርኦን ነዚ እኳ ድማ ኣብ ልቡ ኣየእተዎን እሞ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ኣተወ።
24 ነቲ ማይ ርባ ኺሰትይዎ ኣይከአሉን እሞ፡ ኵላቶም ግብጻውያን ዚስተ ማይ ደልዮም፡ ኣብ ዙርያ እቲ ርባ ዀዐቱ።
25 እግዚኣብሄር ነቲ ርባ ኻብ ዚወቕዖ ሾብዓተ መዓልቲ ኣኸለ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኬድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ።
2 ንስኻ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብቝርዖብ ክወቖዓ እየ።
3 እቲ ርባ ድማ ብቝርዖብ ፈለኽለኽ ኪብል እዩ፡ ደይበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ ሕልፍኚ መደቀሲኻን ናብ ዓረትካን ናብ ቤት ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣታውንካን ናብ ገበራኻን ኪኣትዋ እየን።
4 ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም ገላዉኻን ቍርዖብ ኪድይባኹም እየን በሎ።
5 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፤ ንኣሮን፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝትን ናብ ርባታትን ናብ ቀላያትን ኢድካ ምስ በትርኻ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ሃገር ግብጺ ቝርዖብ ኣደይብ በሎ።
6 ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሔ፡ እተን ቍርዖብ ድማ ደይበን ንምድሪ ግብጺ ኸደንኦ።
7 እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ቍርዖብ ኣደየቡ።
8 ሽዑ ድማ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ካባይን ካብ ህዝበይን ቍርዖብ ኬርሕቐለይ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ይኺድ ክሐድጎ እየ፡ በሎም።
9 ሙሴ ንፈርኦን፡ እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ኪጠፍኣ እሞ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋስ፡ ምእንታኻን ምእንቲ ገላዉኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝልምን፡ ብኽብረትካ ቝረጸለይ፡ በሎ።
10 ንሱ ድማ፡ ንጽባሕ፡ በለ። እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
11 እዘን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ፡ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋ እየን፡ በለ።
12 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ። ሙሴ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽኤን ቍርዖብ፡ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
13 እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ። እተን ቍርዖብ ከኣ ካብ ኣባይትን ካብ ደነብን ካብ መሮርን ሞታ።
14 እናኣከቡ ዀመርወን፡ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት።
15 ፈርኦን ግና፡ ዕረፍቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኣትረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖን።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮን፡ በትርኻ ዘርግሕ፡ ነቲ ደበቝቦቛ ምድሪ ውቕዓዮ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ጻጹት ኪኸውን እዩ በሎ።
17 ከምኡ፡ ኸኣ ገበረ። ኣሮን ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ነቲ ደበቝቦቛ ምድሪ ወቕዖ፡ ናብ ሰብን ናብ ማልን ድማ ጻጹት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ኵሉ ደበቝቦቛ ምድሪ ጻጹት ኰነ።
18 እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ጻጹት ኬውጽኡ ኸምኡ ገበሩ፡ ግናኸ ኣይከኣሉን። ጻጹት ከኣ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ኰነ።
19 እቶም ጠንቈልቲ ድማ ንፈርኦን፤ እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ፡ በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖምን።
20 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል። እንሆ፡ ናብ ማይ ይወጽእ ኣሎ እሞ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፤ ንህዝበይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ።
21 ንህዝበይ እንተ ዘይሐደግካዮ ድማ፡ እንሆ፡ ናባኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያንን እታ ዚነብሩላ ምርድን ከኣ ብጽንጽያ ኸልቢ ኸመልኣ እየን።
22 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ምድሪ ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነታ ህዝበይ ዚነብረላ ምድሪ ጎሼን ጽንጽያ ኸልቢ ዜብላ ገይረ ኽፈልያ እየ።
23 ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ዝህብኻን ምፍልላይ ክገብር እየ። እዚ ትእምርቲ እዚ ጽባሕ ኪኸውን እዩ።
24 እግዚኣብሄር ድማ ከምኡ ገበረ። ናብ ቤት ፈርኦንን ናብ ቤት ገላዉኡን ብዙሓት ዕስሌታት ጽንጽያ ኸልቢ መጹ። ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ እታ ምድሪ ብጽንጽያ ኸልቢ ተበላሸወት።
25 ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ኪዱ ኣብዛ ሃገር ንኣምላኽኩም ሰውኡ፡ በሎም።
26 ሙሴ ግና፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ፡ ርኽሰት ግብጻውያን እዩ እሞ፡ ከምዚ ኺግበር ኣይቕኑዕን። እቲ ርኽሰት ግብጻውያን ዝዀነ ኣብ ቅድሚኦም እንተ ሰዋእናስ፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፧
27 ከምቲ ዚብለና ዘሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእሲ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ንኺድ፡ በለ።
28 ፈርኦን ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽሐድገኩም እየ። ምእንታይ ድማ ለምኑ፡ ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ፡ በለ።
29 ሙሴ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ኻባኻ እወጽእ ኣሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ክልምን እየ። እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ካብ ፈርኦን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ጽባሕ ኪኸዱ እዮም። ፈርኦን ግዳ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ምሕዳጉ ኸይኣቢ፡ መሊሱ ኣይጠብረና፡ በለ።
30 ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ወጸ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ለመነ።
31 እግዚኣብሄር ድማ ሙሴ ኸም ዝበሎ ገበረ። ነቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኻብ ፈርኦንን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ሓደኳ ኸይተረፈ ኣርሐቖም።
32 ፈርኦን በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ልቡ ኣትረረ፡ ንህዝቢ ኸኣ ኣይሐደጎን።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኣቲኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል፡ ኢልካ ተዛረቦ፡ ንህዝበይ ኬገልግሉኒ ይኺዱ ሕደጎም።
2 ንስኻ ግና ምሕዳጎም ኣቤኻ፡ ገና እንተ ሐዝካዮም፡
3 እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መሮር ኣብ ዘለዋ ማልካ፡ ኣብ ኣፍራስ፡ ኣብ ኣእዱግ፡ ኣብ ኣግማል፡ ኣብ ኣሓን ኣብ ኣባጊዕን ብኣዝዩ ብርቱዕ ሕማም ክትከውን እያ።
4 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጻውያንን ምፍልላይ ኪገብር እዩ፡ ካብ ኵለን ናይ ደቂ እስራኤል ገለኳ ኣይትመውትን።
5 እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ግዜ ቆረጸ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እዚ ነገርዚ ኺገብር እዩ።
6 ንጽብሒቱ ኸኣ እግዚኣብሄር እዚ ነገርዚ ገበረ። ኵለን ማል ግብጺ ድማ ሞታ፡ ካብ ማል እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን።
7 ፈርኦን ከኣ ለኣኸ፡ እንሆ፡ ካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝበይውን ኣይሐደጎን።
8 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ሓመዅስቲ እቶን ኣእዳውኩም መሊእኩም ውሰዱ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ።
9 ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጐጓ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ፎቕፎቕ ዚብል ሕበጥ ኪኸውን እዩ፡ በሎም።
10 ሽዑ ሓመዅስቲ እቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ። ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ድማ ፎቕፎቕ ዝበለ ሕበጥ ኰነ።
11 ኣብቶም ጠንቈልትን ኣብ ኵሎም ግብጻውያንን ሕበጥ ኰነ እሞ፡ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ በቲ ሕበጥ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኪብሉ ኣይከኣሉን።
12 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እሞ ኣይሰምዖምን።
13 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል በሎ፡ ንህዝበይ ኬገልግለኒ፡ ይኺድ ሕደጎም።
14 ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ኵሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
15 ሕጂ ኸኣ ንስኻን ህዝብኻን ካብ ምድሪ ኽትጸንቱስ፡ ኢደይ ዘርጊሔ ብፌራ ምወቓዕኩኻ ነይረ።
16 ግናኸ ሓይለይ ከርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ።
17 ይትሐድጎዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ ኣሎኻ፧
18 እንሆ፡ ካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኰነ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣዝዩ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።
19 ኣብ መሮር ኣብ እተረኽበን ናብ ቤት ኣብ ዘይኣተወን ኵሉ ሰብን እንስሳን በረድ ኪወርድ እዩ፡ ኪሞቱ ኸኣ እዮም። ስለዚ ሕጂ ልኢኽካ ማልካን ኣብ መሮር ዘሎካ ኵሉን ኣክብ።
20 ካብ ገላዉ ፈርኦን እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሄ ዘበለ፡ ሰቡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ።
21 እቲ ልቡ ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየቕለበ ድማ፡ ሰቡን ማሉን ኣብ መሮር ሐደገ።
22 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ዅሉ ብቝሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ኪወርድ እዩ፡ በሎ።
23 ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነጕድን በረድን ሰደደ፡ ሓዊ ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ።
24 በረድ ከኣ ዀነ፡ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋናጨፍ ነበረ። ሰብ ካብ ዚቕመጣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ዝበለ ዘይኰነ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ።
25 እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንዘሎ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዔ እቲ በረድ ድማ ንዅሉ ብቝሊ ግራት ወቕዔ፡ ንዅሉ ኣእዋም መሮርውን ሰባበሮ።
26 ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበርዋ ምድሪ ጎሼን ጥራይ በረድ ኣይነበረን።
27 ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ሕጂ ሓጣእኩ። እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ። ኣነን ህዝበይን ከኣ በደልቲ ኢና።
28 ነጕዲ ኣምላኽን በረድን ኪኣክልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑ፡ ሽዑ ኽሐድገኩም እየ፡ ደጊም ድማ ኣብዚ ኣይትቘሙን፡ በሎም።
29 ሙሴ ኸኣ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነጕዲ ይሐድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን።
30 ንስኻን ገላዉኻን ግዳ ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝይፈራህኩም እፈልጥ ኣሎኹ፡ በሎ።
31 ስገም ሰዊቱ፡ እንጣጢዕ ከኣ ጕዕ ነበረ እሞ፡ እቲ ስገምን እንጣጢዕን ተወቕዔ።
32 ስርናይን ስጴልትን ግና፡ ድሑር ዘርኢ እዩ እሞ፡ ኣይተወቕዔን።
33ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦንን ካብ እታ ኸተማን ወጸ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሔ፡ ነጕድን በረድን ድማ ሐደገ፡ ዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን።
34 ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነጕድን ከም ዝሐደገ ምስ ረኣየ፡ ሓጢያት ወሰኸ፡ ንሱን ገላዉኡን ድማ፡ ልቡ ኣትረረ።
35 እሞ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝበሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ኣይሐደጎምን።

 

1-2 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ክገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግሮ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ፡ ኣነ ንልቡን ንልቢ ገላዉኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፍርኦን እቶ።
3 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እብራውያን፡ ከምዚ ይብል፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትትሕት እትኣቢ፧ ንህዝበይ ኬገልግለኒ ሕደጎም።
4 ንስኻ ንህዝበይ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ግና፡ እንሆ፡ ጽባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ።
5 ንምድሪ ኸኣ ኪኸድና እዩ፡ ገጽ ምድሪ እኳ ኺርእዩ ኣይክእሉን። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ትርፊ ድማ ኪበልዖ እዩ። ነተን ኣብ መሮር ዚዐብያልኩም ኵለን ኣእዋም ከኣ ኺበልዔን እዩ።
6 ኣባይትኻን ኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ኣባይቲ ዅሎም ግብጻውያንን ኪመልእ እዩ። ከምኡ ዝበለ ኣቦታትካን ኣቦታት ኣቦታትካን ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጥሩላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይረኣዩን። ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸ።
7 ንፈርኦን ድማ ገላዉኡ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዚ ሰብኣይዚ መፈንጠራ ኪዀነና እዩ፧ ነዞም ሰባት፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኬገልግሉ፡ ሕደጎም። ግብጺ ኸም ዝጠፍኤትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ፧ በልዎ።
8 ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም። ንሱ ድማ፡ ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ። እቶም ዚኸዱ ግና መነመን እዩም፧ በሎም።
9 ሙሴ ድማ፡ በዓል እግዚኣብሄር ከነብዕል ኢና እሞ፡ ምስ ናእሽቱናን ምስ ዓበይትናን ክንከይድ ኢና፡ ምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ኣሓናን ክንከይድ ኢና፡ በለ።
10 ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣነ ምስ ደቅኹም ዝሐደግኩኹም፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን። ርኣዩ፡ ክፍኣት ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ።
11 ከምኡ ኣይኰነን። ሰብኡት ደኣ ኺዱ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። እቲ ዝደሌኹምዎ ኸኣ ንሱ እዩ፡ በሎም። ካብ ቅድሚ ፈርኦን ድማ ሰጐግዎም።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ምእንቲ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ግብጺ ኺድይብ እሞ፡ ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሐደጎ ዅሉን ኪበልዕሲ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕ፡ በሎ።
13 ሙሴ ኸኣ፡ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብታ ምድሪ ብዅላ እታ መዓልቲ እቲኣን ብኵላ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ኣምጽኤ። ምስ ወግሔ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽኤ።
14 እቲ ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ደየበ፡ ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ረገፈ። ክንዳኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይከውንን።
15 ምድሪ ኽሳዕ እትጽልምት ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደና። ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሐደጎ ዅሉ ፍረ ኦምን ድማ በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ገለ ለምለም ኣብ ኦም ወይ ኣብ ብቝሊ ግራት ኣይተረፈን።
16 ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ።
17 ሕጂ ግና እዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ፡ በጃኻ ሕደገለይ። እዚ ሞትዚ ጥራይ ኬርሕቐለይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑ፡ በሎም።
18 ካብ ፈርኦን ወጺኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ለመነ።
19 እግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን።
20 እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እሞ ንደቂ እስራኤል ኣይሐደጎምን።
21 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ጸልማት፡ ዚርምሰስ ጸልማት እኳ ደኣ ይኹን፡ በሎ።
22 ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሑ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ከኣ ስለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ኰነ።
23 ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ኣይረኣየን፡ ካብ ምቕማጡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ንዅሎም ደቂ እስራኤል ግና ኣብ እተቐመጥዎ ብርሃን ነበረ።
24 ፈርኦን ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ ኪድ ንእግዚኣብሄር ኣገልግል፡ ኣባጊዕኩምን ኣሓኹምን ጥራይ ይትረፋ። ቈልዑኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺድ፡ በሎ።
25 ሙሴ ኸኣ፡ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዚሓርር መስዋእትን ኣብ ኢድና ኽትህበና ኢኻ።
26 እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነገልግለሉ ኻብኤን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ስለዚ ማልና ድማ፡ ሓንቲ ሸዀና ኸይተረፈት፡ ምሳና ኪኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብኡ ኽሳዕ እንበጽሕ፡ ንእግዚኣብሄር ብምንታይ ከም እነገልግሎ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በለ።
27 እግዚኣብሄር ግና ልቢ ፈርኦን ኣትረረ፡ እሞ ኺሐድጎም ኣይፈተወን።
28 ፈርኦን ድማ ካባይ ኪዱ፡ ገጸይ ምስ እትርኢ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ በሎ።
29 ሙሴ ኸኣ፡ ከም ዝበልካዮ ይኹን፡ ደጊም መሊሰ ገጽካ ኣይርእን፡ በለ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ልዕሊ ፈርኦን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ኻብዚ ኽትወጹ ኺሐድገኩም እዩ። እቲ ኺሐድገኩም ከሎ ድማ፡ ደፊኡ ኺሰጐኩም እዩ።
2 እምበኣር ኣብ እዝኒ ህዝቢ ተዛረብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤት፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ድማ ካብ ጐረቤት ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን ይለምኑ፡ በሎ።
3 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ሀቦ። ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣዝዮ ዓብዪ ነበረ።
4 ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ ኣነ ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ።
5 ኵሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ፡ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ ድሕሪ መጥሓን ዘላ ግዝእቲ፡ ኵሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ኪመውት እዩ።
6 ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ፡ ከቶ ዘይኰነ መሊሱ ድማ ከምኡ ዝበለ ዘይከውን ዓብዪ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ።
7 እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን።
8 እዞም ገላዉኻ ዅሎም ናባይ ኪወርዱ እዮም፡ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶምለይ ድማ፡ ንስኻን እቲ ዚስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውጻእ፡ ኪብሉ እዮም። ድሕርዚ ኽወጽእ እየ፡ በለ። ካብ ፈርኦን ከኣ ብቝጥዓ ተናዲዱ ወጸ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕ፡ ፈርኦን ኣይሰምዓኩምን እዩ፡ በሎ።
10 ሙሴን ኣሮንን ከኣ እዚ ዅሉ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ንሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኣይሰደዶምን።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2 እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹን፡ ንሳ መጀመርታ ኣዋርሕ ዓመት ትኹንኩም።
3 ንዅሉ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ንቤት ኣቦ ሓደ ገንሸል፡ ነንቤት ሓደ ገንሸል ይውሰድ።
4 እቶም ስድራ ቤት ንሓደ ገንሸል ዚውሕዱ እንተ ዀኑ፡ ንሱን እቲ ንቤቱ ዝቐረበ ጐረቤቱን ብቝጽሪ ነፍሳት ሓደ ይውሰድ። ነፍሲ ወከፍ ከም ዚበልዕ መጠን ኣብቲ ገንሸል ቍጸሩ።
5 ዓመት ዝገበረ፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ገንሸል ይኹነልኩም። ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል ትወስዱ።
6 ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሐልውዎ። ሽዑ ዅሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል ኪመሲ ኸሎ ይሕረዶ።
7 ኣብታ ዚብልዓ ቤት ድማ፡ ካብቲ ደሙ ወሲዶም፡ ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ።
8 ነቲ ስጋኡ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ፡ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።
9 ምስናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር፡ ካብቲ ዝሕላ ዀነ፡ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።
10 ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ። እቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ።
11 ከምዚ ጌርኩም ድማ ክትበልዕዎ ኢኹም፡ ሓቛቝኹም ተዐጢቕኹም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም፡ ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።
12 በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሐልፍ እየ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ፍርድታት ክገብር ኣየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
13 ንምድሪ ግብጺ ምስ ዝወቅዕ ድማ፡ ኣብተን ዘሎኹምወን ኣባይቲ እቲ ደም ምልክት ይኹንኩም፡ ነቲ ደም ርእየ ኽሐልፈኩም እየ። እቲ ዜጥፍእ መዓትውን ኣባኻትኩም ኣይከውንን።
14 እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
15 ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ትበልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማይ ብሑቝ ካብ ኣባይትኹም ኣውጽኡ።
16 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ብኣታተን ገለ ዕዮ ኣይገበር። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ፡ ንሱ ጥራይ ይተዐየየልኩም።
17 ነዚ በዓል ቕጫ ሐልውዎ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺኤዮ እየ እሞ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንውሉድ ወለዶ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዋ።
18 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፡ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ኣብታ ወርሒ፡ ቅጫ ኽትበልዑ ኢኹም።
19 ወሰንተኛ እንተ ዀነ፡ ወይ ወዲ ዓዲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቝ ኣይረከብ።
20 ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ።
21 ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ በሎም፡ ነንማይ ቤትኩም ገንሸል ሐሪኹም ውሰዱ እሞ ፋስጋ ሕረዱ።
22 ዕትርቲ ስምዕዛ ውሰዱ፡ ኣብቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ከኣ ጥምዕዎ፡ ነቲ ላዕላይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን በቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ብጊሓት ድማ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ካብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእ።
23 እግዚኣብሄር ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሐልፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ምስ ረኣየ፡ እግዚኣብሄር ነታ ደገ ኺሐልፋ እዩ፡ ነቲ ዜጥፍእ ድማ ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺወቕዓኩም ኣይሐድጎን።
24 እዚ ነገርዚ ንኣኻን ንደቅኻን ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዎ።
25 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኩም፡ ከምቲ እተዛረቦ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓልዉ፡
26 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ደቅኹም፡ እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዚብሉኩም፡
27 ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሐለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡ ትብሉ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ፍግም ኢሉ ሰገደ።
28 ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
29 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ በዅሪ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር፡ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ቐተለ።
30 ሽዑ ፈርኦን፡ ንሱን ኵሎም ገላዉኡን ኵሎም ግብጻውያንን ብለይቲ ተንስኡ። ምዉት ዜብላ ቤት ኣይነበረትን እሞ፡ ኣብ ግብጺ ብርቱዕ ዋይዋይታ ዀነ፡
31 ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ጸዊዑ ድማ፡ ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተንስኡ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።
32 ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣባጊዕኩምን ኣሓኹምን ውሰዱ። ኪዱ እሞ ንኣይ ከኣ መርቑኒ፡ በለ።
33 እቶም ግብጻውያን ድማ፡ ኵልና ኽንመውት ኢና፡ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኻብታ ሃገር ቀልጢፎም ኬውጽእዎም ሀወኽዋም።
34 እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ብሑቖም ገና ኸይበዅዔ ወሰድዎ፡ ነቲ መልወሲኦም ከኣ ብኽዳውንቶም ጠቕሊሎም ኣብ መንኵቦም ጾርዎ።
35 ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። ካብ ግብጻውያን ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ።
36 እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ዅሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብጺ ሞገስ ሃቦም። ንሰብ ግብጺ ኸኣ ገፈፍዎም።
37 ደቂ እስራኤል ድማ ብዘይ ቈልዑ ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕ ዚኣክል ኣጋር ካብ ራዕምሴስ ናብ ሱኮት ተጓዕዙ።
38 ምስኦም ድማ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን ኣባጊዕን ኣሓን፡ ኣዝየን ብዙሓት ማል ደየበ።
39 እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽእዎ ብሑቕ ኣይበዅዔን ነበረ እሞ፡ ካብኡ ቅጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብጺ ስለ እተሰጉ፡ ኪድንጕዩ ኣይከኣሉን እሞ፡ ስንቆም ኣየዳለዉን ነበሩ።
40 ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ተቐሚጦምዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እዩ።
41 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዀነ፡ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ።
42 ኣዛ ለይቲ ኣዚኣ፡ ብእኣ ኻብ ምድሪ ግብጺ ስለ ዘውጽኦም፡ ንእግዚኣብሄር ፍጹም እተሐለወት እያ፡ እዛ ለይቲ እዚኣ ብዅሎም ደቂ እስራኤል ንዉሉድ ወለዶኦም ፍጹም ንእግዚኣብሄር ኣተሐለወት እያ።
43 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን በሎም፡ ሕጊ ፋስጋ እዚ እዩ፡ ጓና ዘበለ ኻብኡ ኣይብላዕ።
44 ብገንዘብ እተዓደገ ባርያ ግና፡ ምስ ገዘርካዮ፡ ካብኡ ይብላዕ።
45 ስደተኛን በዓል ዓስብን ካብኡ ኣይብላዕ።
46 ኣብ ሓንቲ ቤት ይብላዕ። ካብቲ ስጋ ገለ እኳ ኻብ ቤት ንግዳም ኣይተውጽእ፡ ዓጽሚ ድማ ኣይትስበሩ።
47 ኵሉ ኣኼባ እስራኤል ነዚ ይግበሮ።
48 ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኺገብር እንተ ደለየ፡ ምስኡ ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር፡ ሽዑ ኺገብር ይቕረብ፡ ከም ወዲ ዓዲ ኸኣ ይኹን። ዘይግዙር ዘበለ ግና ካባኡ ኣይብላዕ።
49 ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።
50 ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም፡ ከምኡ ገበሩ።
51 ኰነ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኤ።

 

1-2 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ፡ ሰቡን እንስሳኡን፡ ንሱ ናተይ እዩ እሞ ኵሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
3 ሙሴ ድማ ንህዝቢ በለ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብኣ ኣውጺኡኩም እዩ እሞ፡ ነዛ ኻብ ግብጺ ኻብ ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፡ ብዅዕ ከኣ ኣይበላዕ።
4 ንስኻትኩም ብወርሒ ኣቢብ ሎሚ ትወጹ ኢኹም።
5 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ንኣኻ ኺህበካ ኢሉ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ሽዑ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ።
6 ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሂር ኪኸውን እዩ።
7 በተን ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ፡ ኣባኻ ብሑቝ ኣይርኤ፡ ኣብ ኩሉ ዶብካውን ማይ ብሑቕ ኣይርኤ።
8 በታ መዓልቲ እቲኣ ንወድኻ ኸምዚ ኢልካ ትነግሮ፡ እዚ ብዛዕባቲ፡ ካብ ግብጺ ምስ ወጻእኩ፡ እግዚኣብሄር ዝገበረለይ እዩ።
9 እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ኪኸውን ኣብ ኢድካ ንምልክት፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከሪ ይኹንካ።
10 ነዚ ሕጊ እዚ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ዓመት ንዓመት ሐልዎ።
11 ይኸውን ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሐለልካ ምድሪ ኸነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ ንኣኻ ምስ ሀበካ፡
12 ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ክትፈሊ ኢኻ። ካብ ዘሎካ ማልካ ቅድም እተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እዩ።
13 ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፡ እንተ ዘይተበጆኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ በዅሪ ንዘበለ ዅሉ ሰብ ተበጀዎ።
14 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ ኣንታይ እዩ፧ ኢሉ ምስ ዚሓተካ፡ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና።
15 ኰነ ኸኣ፡ ፈርኦን ከይሓድገና ምስ ተረረ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብጺ ንዅሉ በዅሪ፡ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ፡ ቀቲሉ እዩ እሞ፡ስለዚ ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፡ ካብ ደቀይ ድማ በዅሪ ንዝዀነ ዅሉ እብጀዎ፡ ትብሎ።
16 እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም መፈለጥታ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸኣ ከም ክታብ ይኹንካ።
17 ኰነ ድማ፡ ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሐደጎም፡ ኣምላኽ፡ እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ዚርእዩ፡ ተጣዒሶም ናብ ግብጺ ኸይምለሱ ኢሉ ነበረ እሞ፡ እታ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ንሳ ቐረባ ኽንሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን።
18 ኣምላኽ ግና ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ።
19 ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ብርግጽ ኪበጽሓኩም እዩ፡ ሽዑ ነዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሉ ማሕላ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ድማ ንዓጽሚ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።
20 ካብ ሱኮት ነቒሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን በረኻ ሰፈሩ።
21 ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኺጐዓዙ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም ብዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ኸኣ ኼብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ።
22 እቲ ዓንዲ ደበና ብመዓልቲ፡ እቲ ዓንዲ ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኣይተፈልየን።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል፡ ተመሊሶም ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ኣብ መንጽር ጲ-ሃሒሮት ኪሰፍሩ፡ ንገሮም። ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ።
3 ፈርኦን ድማ ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፡ በረኻ ውሒጥዎም ኣብ ምድሪ ቀባሕባሕ ይብሉ ኣለው፡ ኪብል እዩ።
4 ኣነ ድማ ንልቢ ፈርኦን ከትርሮ እየ፡ ንሱ ኸኣ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኺሰጎም እዩ። ብፈርኦንን ብዅሉ ሰራዊቱን ክኸብር እየ፡ ግብጻውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም። ከምኡ ኸኣ ገበሩ።
5 ድማ ንንጉስ ግብጺ እቲ ህዝቢ ኸም ዝሃደመ ነገርዎ። ልቢ ፈርኦንን ገላውኡን ከኣ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ተለወጡ፡ ከይግዝኡናስ ንእስራኤል ብምሕዳግና እንታይ እዩ ዝገበርናዮ፧ ድማ በሉ።
6 እሞ ሰረገላኡ ኣዳለወ፡ ህዝቡውን ምስኡ ወሰደ፡
7 ሹድሽተ ሚእቲ ሕሩያት ሰረገላታትን ኩለን ሰረገላታት ግብጽን፡ ኣብ ኵለን ከኣ ተዋጋእቲ ወሰደ።
8 እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣትረሮ እሞ፡ ንሱ ደድሕሪ እቶም ብልዕልቲ ኢድ ዚወጹ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ።
9 ግብጻውያን ድማ፡ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ጲ-ሃሒሮት ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ሰፊሮም ከለዉ ኣርከብዎም።
10 ፈርኦን ምስ ቀረበ፡ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ግብጻውያን ደድሕሪኦም ገስገሱ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።
11 ንሙሴ ድማ፡ ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዝወሰድካናስ፡ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን፧ ካብ ግብጺ ዘውጻእካናስ ንምንታይ እዚ ገበርካና፧
12 እቲ ኣብ ግብጺ ዝበልናካኸ እዚ ነገርዚዶ ኣይኰነን፧ ኣብ በረኻ ኻብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል ይሔሸና እሞ፡ ንግብጻውያን ንገዛኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናን፧ በልዎ።
13 ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ ኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርኣዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም መሊስኩም ንዘለኣለም ኣይትርእይዎምን።
14 እግዚኣብሄር ኪዋጋኣልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም።
15 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ስለምንታይ ናባይ እትምህለል፧ ንደቂ እስራኤል ኪጐዐዙ ንገሮም።
16 ንስኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ማእከል ባሕሪ ናብቲ ንቑጽ ይእተዉ።
17 ኣነ ድማ፡ እንሆ፡ ልቢ ግብጻውያን ከትርር እየ። ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ኪኣትዉ እዮም እሞ፡ ብፈርኦንን ብዅሎም ሰራዊቱን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ክኸብር እየ።
18 ብፈርኦንን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ምስ ከበርኩ ድማ፡ ግብጻውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም።
19 እቲ ብቕድሚ ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ።
20 ናብ መንጎ ሰፈር ግብጽን ሰፈር እስራኤልን ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ፡ ነታ ለይቲ ኸኣ ኣብርሃ። ለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።
21 ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔ። እግዚኣብሄር፡ ከኣ ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣልጊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ኣንቀጾ። እቲ ማያት ከኣ ተመቕለ።
22 ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑጽ ናብ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከኣ ብየመነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው በለ።
23 ግብጻውያን ድማ፡ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ድድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ናብ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ።
24 ኰነ ኸኣ፡ ሓለዋ ኣጋ ጽባሕ ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓንዲ ሓውን ካብ ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፡ ንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም።
25 ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኰራዅሩ ኣምለቘ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም በሉ።
26 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ይምለስ፡ በሎ።
27 ሙሴ ኸኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔ፡ እቲ ባሕሪ ድማ ብጊዜ ጽባሕ በርቲዑ ናብ ምውሓዙ ተመለሰ፡ ግብጻውያን ከኣ ኪሀድሙ ኸለዉ ተጓነፍዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንግብጻውያን ናብቲ ማእከል ባህሪ ደርበዮም።
28 እቲ ማያት ከኣ ተመልሰ፡ ነቶም ድድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተዉ፡ ንሰረገላታትን ንፈረሰኛታትን ንዅሉ ሰራዊት ፈርኦንን ድማ ደፈኖም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
29 ደቂ እስራኤል ግና ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ከዱ፡ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ፡ ኰነሎም።
30 ከምኡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣድሓኖም። እስራኤል ድማ ምዉታት ግብጻውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረኣየ።
31 እስራኤል እታ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገበራ ዓባይ ኢድ ረኣየ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ። ብእግዚኣብሄርን ብባርያኡ ሙሴን ድማ ኣመኑ።

1 ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር ኣሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።
2 እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ።
3 እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
4 ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉ።
5 መዓሙቕ ከደኖም፡ ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ።
6 ጎይታይ፡ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፡ ጎይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ።
7 ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡካ ጨፍለቕካዮም፡ ቍጥዓኻ ሰደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም።
8 ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩ። ወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ።
9 እቲ ጻላኢ ኸኣ፤ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኽመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብ፡ ሴፈይ እመልሕ፡ ኢደይ ድማ ተጥፍኦም፡ በለ።
10 ብንፋስካ ኣንፈስካ፡ ባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ።
11 ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡ ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧
12 የማነይትኻ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ወሐጠቶም።
13 ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም።
14 ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሐዞም።
15 ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሐዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዅሎም መኸኹ።
16 ዎ እግዚኣብሄር፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሐልፍ፡ ስምባድን ፍርሃትን ወደቖም፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ።
17 ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡ ጎይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተኽሎምን።
18 እግዚኣብሄር ንወርትግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ።
19 ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ።
20 ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ።
21 ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።
22 ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹ። ሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱ፡ ማይ ከኣ ኣይረኸቡን።
23 ናብ ማራ ድማ መጹ፡ ማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት።
24 እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ።
25 ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮ፡ ናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም።
26 በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ።
27 ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።

 

1 ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ ካልእይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘላ በረኻ ሲን መጹ።
2 ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብቲ በረኻ ንሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙሎም።
3 ደቂ እስራኤል ከኣ፤ እቲ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና፡ እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከሎና፡ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና። ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ኣኼባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምና፡ በልዎም።
4 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፥ እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚኸዱ እንተ ዀኑ፡ ወይስ እንተ ዘይኰኑ፡ ምእንቲ ኽፍትኖምሲ፡ እናወጹ ነንመዓልቱ ዜድሊ ይእረዩ።
5 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብሳድሰይቲ መዓልቲ ኼዳልዉ ዘምጽእዎ፡ ነቲ ነንመዓልቲ ዚኣርይዎ ኻዕበቱ ይኹን።
6 ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጽኣኩም፡ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም።
7 ብጊሓት ከኣ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርእዩ ኢኹም። እቲ ንእግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንኣና እተጕረምርሙልናስ፡ ንሕና እንታይ ኢና፧ በልዎም።
8 ሙሴ ድማ፡ እዚ እግዚኣብሄር ምሸት ስጋ ንምብላዕ፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ንምጽጋብ ንኣኻትኩም ብምሃቡ እዩ ዚኸውን። እግዚኣብሄር እቲ ዘጕረምረምኩምሉ ምጕርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንሕና እንታይ ኢና፧ ንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር፡ ንኣና ኣይኰንኩምን ዘጕረምረምኩምልና፡ በለ።
9 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ በሎም፡ በሎ።
10 ኰነ ኸኣ፡ ኣሮን ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረበ፡ ንሳቶም ንበረኻ ገጾም ጠመቱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብደበና ተራእየ።
11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
12 ምጕርምራም ደቂ እስራኤል ሰሚዔ እየ እሞ፡ ምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ኢልካ ተዛረቦም።
13 ኰነ ከኣ፡ ንምሸቱ ብርኒጎታት ተላዒለን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዝዓ ወዲቑ ነበረ።
14 እቲ ዛዕዝዓ ምስ ዘፈፈ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ገጽ እቲ በረኻ ገለ ደቂቕ ከቢብ፡ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ኣብ ምድሪ ነበረ።
15 ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን እሞ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታትቱ። ሙሴ ኸኣ፥ እዚ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሀበኩም እንጌራ እዩ።
16 እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዚ እዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ንብልዑ ዚኣክል ካብኡ ይኣክብ። ከም ፍቕዲ ነፍሳትኩም ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ጎመር፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ድንኳኑ ዘለዉ ይውሰደሎም፡ በሎም።
17 ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ። ሓደ ብዙሕ፡ ሓደ ኸኣ ሒደት ኣከቡ።
18 ብጎመር ድማ ሰፈርዎ፡ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ ኸኣ ኣየጕደለን። ነፍሲ ወከፍ እቲ ብልዑ ዚኣኽሎ ኣከበ።
19 ሙሴ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣየትርፍ፡ በሎም።
20 ንሙሴ ግና ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ገለ ሰባት ካብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣትረፉ፡ ንሱ ኸኣ ሐሰኸ፡ በድበደ ድማ። ሙሴ ኸኣ ብኣታቶም ተናደደ።
21 ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ መጠን ብልዑ ዚኣክል ይእክብ ነበረ። ጸሓይ ምስ ሞቐት ግና፡ መኸኸ።
22 ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጌራ ኻዕበት ኣከቡ፡ ክልተ ጎመር ንሓደ። ኵሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባ ድማ መጺኦም ንሙሴ ነገርዎ።
23 ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ እዩ። ጽባሕ ክቡር ዕረፍቲ፡ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ሰንበት እያ፡ እትስንክትዎ ሰንክቱ፡ እተፍልሕዎውን ኣፍልሑ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ኸኣ ኣንብርዎ፡ ክሳዕ ጽባሕ ይተሓለወልኩም፡ በሎም።
24 ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከኣ ንጽባሕ ኣንበርዎ፡ ንሱ ኣይበድበደን ኣይሓሰኸን ድማ።
25 ሙሴ ኸኣ፡ ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት እያ፡ ሎሚ ኣብ መሮር ኣይትረኽቡን ኢኹም እሞ፡ ሎሚ ብልዕዎ።
26 ሹድሽተ መዓልቲ ኣክቡ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ፡ ብእኣ ኣይርከብን እዩ፡ በለ።
27 ኰነ ድማ፡ ካብቶም ህዝቢ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኺእክቡ ወጹ፡ ኣይረኸቡን ከኣ።
28 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ምሕላው እትኣብዩ፧
29 ርኣዩ፡ እግዚኣብሄር ሰንበት ሂቡኩም እሞ፡ ስለዚ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ ይህበኩም ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውጻእ፡ በሎ።
30 እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ።
31 ቤት እስራኤል ድማ ስሙ ማና በልዎ። ፍረ ጻቕዳ ይመስል ነበረ፡ ጻዕዳ ኸኣ ነበረ፡ ምጥዓሙውን ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ነበረ።
32 ሙሴ ድማ በለ፡ እግዚኣብሄርሲ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጻኩም ከሎኹ ኣብ በረኻ ዝመገብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብኡ ሓደ ጎመር ምልኡ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ይተዓቘር፡ ኢሉ እዚ ነገርዚ ኣዘዘ።
33 ሙሴ ድማ ንኣሮን፥ ኣቕሓ ኣምጺእካ ናብኡ ሓደ ጎመር ምሉእ ማና ኣእቱ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ፡ በሎ።
34 ኣሮን ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኪዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንበሮ።
35 ደቂ እስራኤል፡ ናብ ዓዲ ሃገረ ሰብ ክሳዕ ዚኣትው፡ ኣርብዓ ዓመት ማና በልዑ። ናብ ወሰን ሃገር ከንኣን ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ማና በልዑ።
36 ጎመር ግና ዓስራይ ኣፍ ኤፋ እዩ።

 

1 ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ካብ በረኻ ሲን ነቐለ፡ ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን።
2 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንሰትዮ ማይ ሀቡና፡ ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑ`። ሙሴ ኸኣ፡ ስለምንታይ ምሳይ ትቛየቑ፧ በሎም። ስለምንታይከ ንእግዚኣብሄር ትፍትኑ፧ በሎም።
3 እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ጸሚኦም ንሙሴ፡ ስለምንታይ ኢኻ፡ ንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘደየብካና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ።
4 ሙሴ ድማ፥ ነዚ ህዝቢዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኒ ቕሩብ ተሪፍዎም ኣሎ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ።
5 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ።
6 እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ክትወቅዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢ ዜስቲ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፡ በሎ።ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።
7 ብዛዕባ እቲ ቘየቛ ደቂ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ኣብ ማእከልናዶ ኣሎ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ስለ ዝፈተንዎ፡ ስም እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኣውጽኣላ።
8 ሽዑ ኣማሌቅ መጺኡ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ረፊዲም ተዋግኤ።
9 ሙሴ ድማ ንእያሱ፡ ሰባት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቅ ተዋጋእ። ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ፡ በሎ።
10 እያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፡ ምስ ኣማሌቅ ከኣ ተዋግኤ። ሙሴን ኣሮንን ሁርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደየቡ።
11 ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዜውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።
12 ኣእዳው ሙሴ ኸኣ ረብረባ እሞ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩ፡ ንሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሁርን ከኣ ሓደ በዚ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ኣእዳው ይድግፉ ነበሩ።ኣእዳው ኸኣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ጸንዓ።
13 እያሱ ድማ ንማሌቅን ንህዝቡን ብስሕለት ሴፍ ቀርደዶም።
14 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺመ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ፡ ንእያሱውን ኣብ እዝኑ ኣስምዓዮ፡ በሎ።
15 ሙሴ ኸኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ስሙ ድማ፡ እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ፡ ኢሉ ጸውዖ።
16 ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ ኣላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሌቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ።

 

1 የትሮ፡ ካህን ሚድያን ሓሙ ሙሴ፡ ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበሮ ዅሉ፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዘውጽኤ ሰምዔ።
2 ሽዑ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንሲፎራ ሰበይቲ ሙሴ፡ ንሱ ሰዲድዋ ዝነበረ፡
3 ንኽልቲኦም ደቃ ድማ ወሰዶም። ሙሴ ኸኣ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ ዀንኩ፡ ኢሉ ነበረ እሞ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም ኣውጻኣሉ፡
4 ስም እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ ነበረ እሞ፡ ካብ ሴፍ ፈርኦን ከኣ ኣድሓነኒ፡ ኢሉ ኣልኣዛር ኣውጻሉ።
5 የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን ናብ ሙሴ፡ ኣብቲ ንሱ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ኣምላኽ መጸ።
6 ንሙሴ ድማ፡ ኣነ የትሮ ሓሙካ፡ ሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃ ድማ ምስኣን፡ ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፡ በሎ።
7 ሙሴ ኸኣ ሓሙኡ ኪቕበል ወጸ፡ ሰገደሉ ሰዓሞ ድማ። ናይ ድሓን ምህላዎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ፡ ናብ ድንኳን ከኣ ኣተዉ።
8 ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ንፈርኦንን ንግብጻውያንን ዝገበሮ ዅሉን እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ኵሉ ጭንቀትን እግዚኣብሄር ከኣ ከም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
9 የትሮ ድማ በቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ብምድሓኑ፡ ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ተሐጎሰ።
10 የትሮ ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ፈርኦንን ዘድሐነኩም፡ እቲ ንህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጻውያን ዘድሐነ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
11 እቲ ዝገበርዎም ግፍዒ ኣብ ልዕሊኦም መሊሱሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዚዓቢ፡ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።
12 የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ።
13 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኺፈርድ ተቐመጠ።እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ።
14 ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢ ዚገብሮ ኹሉ ምስ ረኣየ፥ እዚ ኣብዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በይንኻ ኾፍ እትብል፧ በሎ።
15 ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ንኣምላኽ ኪሓትት ናባይ ይመጽእ፡
16 ነገር ምስ ዚህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ስርዓት ኣምላኽን ሕጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ።
17 ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ።
18 ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፡ እዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዚኸብድ እዩ እሞ፡ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።
19 ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ፡ ቃለይ ስማዕ፡ እግዚኣብሂር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕ።
20 ስርዓታትን ሕጋጋትን ምሃሮም፡ ዚኸዱላ መገድን ዚገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም።
21 ንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት፡ እሙናት፡ ረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሕላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም።
22 ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዪ ነገር ዝዀነ ዅሉ ናባኻ የምጽኡ። ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈዅሰካ።
23 እዚ ነገርዚ እንተ ገበርካ፡ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካ፡ ክትጸንዕ ኢኻ። ኵሉ እዚ ህዝቢዚ ድማ ናብ ቦታኡ ብሰላም ይኣቱ።
24 ሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑ፡ ዝበሎ ዅሉ ገበረ።
25 ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሐርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓላቑ ኪዀኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም።
26 ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱ። ብርቱዕ ነገር ዝዀነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉ፡ ዅሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ።
27 ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ሰደዶ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኸደ።

 

1 ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ።
2 ካብ ረፊዲም ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፡ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩ። እስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈረ።
3 ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብቲ ኸረን ጸዊዑ በሎ፡ ንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎም፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ንገሮም፥
4 እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎ፡ በኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።
5 ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይ ውን እንተ ሐሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም።
6 ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ።
7 ሙሴ ድማ መጺኡ ንዓበይቲ ህዝቢ ጸውዔ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ቓላት ነገሮም።
8 ኵሎም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ፡ ዀይኖም፡ እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ኢሎም መለሱ። ሙሴ፡ ድማ ቃል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር መለሰ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ክዛረበካ ኸሎኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ ንሓዋሩ ድማ ኪኣምኑኻስ፡ እንሆ፡ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጻካ እየ፡ በሎ። ሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
10-11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፥ እግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድ፡ ሎምን ጽባሕን ቀድሶም፡ ክዳውንቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ።
12 ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያኡ ዶብ ግበረሎም። በሎም ከኣ፡ ናብ ከረን ከይትድይቡ፡ ወይ ነቲ ዶብ ከይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከየ ዘበለ ሞት ይሙት።
13 ገለ ኢድ ኣይተንክዮ፡ እንስሳ እንተ ዀነ ወይ ሰብ፡ ብዳርባ እምኒ ሓደው ብመንትግ ደኣ ይሙት እምበር፡ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ዚንፋሕ፡ ሽዑ ናብ ከረን ይደይቡ።
14 ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፡ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሐጸቡ።
15 ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፡ ናብ ሰበይቲ ኸኣ ኣይትቕረቡ፡ በሎም።
16 ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺወግሕ ከሎ ነጕድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኰነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዔ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነብረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተምበድበደ።
17 ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ። ኣብ እግሪ ኸረን ድማ ደው በሉ።
18 እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፡ ኵሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ። ትኪ ኸኣ ከም ትኪ እቶን ካብኡ ዐረገ። ኵሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ።
19 እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሙሴ ተዛረበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብቓሉ መለሰሉ።
20 እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖ። ሙሴ ከኣ ደየበ።
21 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ውረድ እሞ እቶም፡ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪርእዩ ኸይቀርቡ፡ ብዙሓት ከኣ ኸይጠፍኡስ፡ ኣጠንቕቆም።
22 እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ድማ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፡ ርእሶም ይቀደሱ፡ በሎ።
23 ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ንስኻ፥ ናብ ዙርያ እቲ ኸረን ዶብ ግበር፡ ቀድሶ ድማ፡ ኢልካ ኣጠንቂቕካና ኢኻ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺድይቡ ኣይኽእሉን።
24 እግዚኣሄር ከኣ፡ ኪድ ውረድ እሞ፡ ንስኻ ኣሮን ድማ ምሳኻ ደይቡ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፡ ናብ እግዚኣብሄር ኪድይቡ ኢሎም ኣይጥሐሱ፡ በሎ።
25 ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም።

1 እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2 ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
3 ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።
4 ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር።
5 ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡
6 ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።
7 እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
8 መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር።
9 ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር።
10 እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ።
11 እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።
12 ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
13 ኣይትቕተል።
14 ኣይትዘሙ።
15 ኣይትስረቕ።
16 ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።
17 ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ።
18 ኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡ፡ ርሒቖም ድማ ደው በሉ።
19 ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ።
20 ሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም።
21 እቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበ።
22 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም።
23 ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፡ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
24 መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ።
25 መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ።
26 ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ።

 

1 እቲ ኣብ ቅድሚኦም እተንብሮ ፍርድታት እዚ እዩ፡
2 እብራዊ ባርያ እንተ ተሻየጥካ፡ ሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ግና ብኸምኡ ሓራ ይውጻእ።
3 በይኑ እንተ ዀይኑ ዝመጸ፡ በይኑ ይውጻእ። ባዓል ሰበይቲ እንተ ዀይኑ፡ እታ ሰበይቱ ከኣ ምስኡ ትወጽእ።
4 ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሀቦ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወለደትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኩኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ።
5 እቲ ባርያ ግና፥ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ ኣሎኹ፡ ሓራ ኣይወጽእን፡ እንተ በለ፡
6 ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕርቦ፡ እቲ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ።
7 ሰብ፡ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፡ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዚወጹ ባሮት ኣይትውጻእ።
8 ነታ ዘእተዋ ጐይታኣ ባህ እንተ ዘይበለቶ፡ ሓራ የውጽኣያ። እንድሕሪ ጠለማ ኸኣ፡ ናብ ጓና ህዝቢ ኺሸጣ ኣይግብኦን።
9 ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ድማ እቲ ነዋልድ ዚግባእ ይግበረላ።
10 ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዚግባእን ኣየጕድለላ።
11 እዚ ሰለስተ ነገርዚ እንተ ዘይገበረላ ግና፡ ብኸምኡ ብዘይ ገንዘብ ሓራ ትውጻእ።
12 እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት።
13 ኣምላኽ ደኣ ኣብ ኢዱ ዘውደቖ እምበር፡ ዘይተጻናተዎ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ዚሀድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።
14 ሰብ ተተናዅሉ ንብጻዩ ብጕርሒ እንተ ቐተሎ ኸኣ፡ ኪመውት ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ።
15 ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝወቕዔ ሞት ይሙት።
16 ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበ፡ ሞት ይሙት።
17 ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት።
18 ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ እቲ ሓደ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ዐሚኹ እንተ ወቕዖ፡ ግናኸ ከይሞተ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ፡
19 በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ንግዳም ኪወጽእ እንተ ኸኣለ፡ እቲ ዝወቕዖ ሓራ ውጹእ እዩ። ናይቲ ዘብኰሮ ግዜ ጥራይ ይኽሐሶ፡ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሐዊ ኸኣ የፈውሶ።
20 ሰብ ነቲ ባርያኡ ወይ ነታ ባርያኡ ብበትሪ ወቒዕዎስ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፡ ቅጽዓት ይቀጻዕ።
21 ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ተንስኤ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ፡ ኣይቀጻዕ።
22 ሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሐስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ።
23 ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ።
24 ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ።
25 ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊ፡ ቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ።
26 ሰብ ዓይኒ እቲ ባርያኡ ወይ ዓይኒ እታ ባርያኡ ወቒዑ እንተ ኣጥፋኤ፡ ካሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውጽኣዮ።
27 ስኒ እቲ ባርያኡ ወይ ስኒ እታ ባርያኡ እንተ ሰበረ፡ ካሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውጽኣዮ።
28 ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናጻ እዩ።
29 እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣስሚዖምሉ ኸለዉ እንተ ዘይሐለዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ እቲ ዋናኡ ኸኣ ይሙት።
30 ጋር ነፍሲ እንተ ደለይዎ ኸኣ፡ ከም ዝጸዐንዎ ጋር ነፍሱ ይሀብ።
31 ንወዲ እንተ ወግኤ፡ ወይ ንጓል እንተ ወግኤ ኸኣ፡ ከምዚ ፍርዲ እዚ ይግበርዎ።
32 ብዕራይ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ነንስተይቲ ባርያ እንተ ወግኤ፡ እቲ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ነቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።
33 ሰብ ጕድጓድ እንተ ከፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጕድጓድ እንተ ዀዐተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፡
34 እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ክሒሱ የዕርፎ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን።
35 ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራዩ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ።ነቲ ምዉት ከኣ ይማቐልዎ።
36 እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ዋናኡ እንተ ዘይሐለዎ ኣብ ክንዲ ብዕራይ፡ ብዕራይ ይኽሐስ።እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን።

1 ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሐረደ ወይ እንተ ሸጠ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሐስ።
2 ሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ ወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉን።
3 ጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም ኣለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዝሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግን ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥ።
4 እቲ ዝሰረቖ፡ ብዕራይ ኰነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕ፡ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽፈል።
5 ሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዔ፡ ማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ እንተ ሐደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሐስ።
6 ሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይዕጹድ ወይ ግራት እንተ በልዔ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሐስ።
7 ሰብ፡ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ፡ ጐረቤት ኺሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሀቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽሐስ።
8 እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብ፡ ኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሔ ይምሐል።
9 ብዝዀነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ ወይ ማንም ዝጠፍኤ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። እቲ ኣምላኽ ዝፈረዶ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሐሶ።
10 ሰብ ኪሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳ፡ ሕድሪ እንተ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዜልቦ እንተ ተዘምተ፡
11 ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሔ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሐስ።
12 ካብኡ እንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተክኣሉ።
13 ኣራዊት እንተ በትበቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ኪዀኖ የምጽኣዮ፡ ተኽኣ ግና ኣይሀብ።
14 ሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነ፡ ዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፡ ካሕሳ ይኽሐሶ።
15 እቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና፡ ኣይኽሐስ፡ ተኻርዩ እንተ ዀነ፡ ብኽራዩ ኣትዩ እዩ።
16 ሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ።
17 ኣቦኣ፡ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል።
18 ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።
19 ምስ እስስሳ ዚድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት።
20 ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት።
21 ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ።
22 ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም።
23 እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ፡ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ።
24 ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ።
25 ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ።
26 ክዳን ብጻይካ እንተ ሐዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ።
27 እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ።
28 ንኣምላኽ ኣይትጽረፍ፡ ንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።
29 ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ።
30 ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን ድማ ከምኡ ግበር። ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒ።
31 ቅዱሳት ሰባት ትዀኑኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሐዞ ስጋ ኣይትብልዑ፡ ነኽላባት ደርብይዎ።

 

1 ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል።
2 ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ። ብገለ ነገር ከኣ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ።
3 ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይትደንግጸሉ።
4 ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካ፡ ናብኡ ምለሰሉ።
5 ኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርኤኻ እሞ ከይትሕግዞስ ክትሐድጎ እንተ ሐሰብካ፡ ምስኡ ዄንኻ ኣጸቢቕካ ሐግዞ።
6 ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ።
7 ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል።
8 መማለዲ ነቶም ዚርእዩ የዕውር፡ ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድ።
9 ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ኽም ዝዀነት ትፈልጡ ኢኹም።
10 ሹድሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፡ ፍርያታ ኸኣ ኣእቱ።
11 በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኺበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕካን ድማ ከምኡ ግበር።
12 ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኪዐርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፉ።
13 እቲ ዝበልኩኹም ኩሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ።
14 ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ።
15 በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ ኣቢብ፡ ብእኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። ጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ።
16 ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ።እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።
17 ኵሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ።
18 ደም መስዋእተይ ምስ ብዅዕ እንጌራ ኣይትሰውእ። ስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
19 ቀዳማይ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል።
20 ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ።
21 ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተመርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሐድግን እዩ።
22 ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጻልኦም፡ ንዚጻረሩኻ ድማ እጻረሮም።
23 መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ።
24 ንኣማልኽቶም ኣይትስገድ፡ ኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር። ብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል።
25 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ።
26 ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።
27 ናብቶም እትመጾም ኵሎም ህዝብታት መፍርሄይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ፡ ከሸብሮም ድማ እየ። ንዅሎም ጸላእትኻ ኸኣ ካባኻ ከም ዚሀድሙ ኽገብሮም እየ።
28 ንሃዋውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ካብ ቅድሜካ ዚሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ።
29 እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜካ ኣይሰጎምን እየ።
30 ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ።
31 ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ።
32 ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ።
33 ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ፡ ኣዚ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምብዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ።

1 ንሙሴ ኸኣ፡ ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤል ኴንኩም፡ ናብ እግዚኣብሄር ደይቡ። ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ።
2 ሙሴ ኸኣ በይኑ ናብ እግዚኣብሄር ይቕረብ፡ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ፡ በሎ።
3 ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ዅሉ ዘረባ እግዚኣብሄር ኵሉ ሕጋጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ንገብር፡ ኢሎም መለሱ።
4 ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ጸሐፎ። ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ክልተ ሓወልቲ ሰርሔ።
5 ካብ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣጕባዝ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኺስውኡ፡ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኬቕርቡ፡ ሰደደ።
6 ሙሴ ድማ ፈረቓ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሔሎታት ገበሮ፡ ፈረቓ እቲ ደም ከኣ ናብ መሰውኢ ነጸጎ።
7ነቲ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንበቦ። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ንእዘዝ ድማ፡ በሉ።
8 ሙሴ ከኣ ነቲ ደም ወሲዱ ናብ ህዝቢ ነጻጎ እሞ፡ እቲ ደም ኪዳን እግዚኣብሄር ብዅለን እዘን ቃላት እዚኤን ምሳኻትኩም ዝገበሮ እንሆ፡ በለ።
9 ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ዀይኖም ደየቡ።
10 ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረኣይዎ። እቲ ትሕቲ እግሩ ድማ ብብሩህ ሰፊሮስ ከም እተገብረ ምድሪ ቤት፡ ምጽራዩ ኸኣ ከም ሰማይ ነበረ።
11 ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረኣዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናባይ ኣብዚ ኸረን ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ጽናሕ፡ ጽላት እምንን እቲ ኽትምህሮም ኢለ ዝጸሐፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ፡ በሎ።
13 ሙሴን እያሱ ግልያኡን ድማ ተንስኡ፡ ሙሴ ኸኣ ናብ ከረን ኣምላኽ ደየበ።
14 ነቶም ዓበይቲ ድማ፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፡ ኣብዚ ጽንሑና። እንሆ ኸኣ፡ ኣሮንን ሁርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ገለ ነገር ዘለዎ፡ ናባታቶም ይምጻእ፡ በሎም።
15 ሙሴ ድማ ናብ ከረን ደየበ፡ ነቲ ኸረን ከኣ ደበና ኣጐልበቦ።
16 ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ከረን ሲና ተቐመጠ፡ እቲ ደበና ኸኣ ሹድሽተ መዓልቲ ኣጐልበቦ። በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል እቲ ደበና ጸውዖ።
17 ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ።
18 ሙሴ ኸኣ ናብ ማእከል ደበና ኣተወ ናብቲ ኸረንውን ደየበ። ሙሴ ኣብቲ ኸረን ኣርብዓ መዓልቲን ኣርብዓ ለይትን ገበረ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ንደቂ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም፡ እቲ መባኤይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ኺህብ ዝፈተወ ውሰዱ።
3 እቲ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ፡ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡
4 ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፡ ጸጉሪ ጤልን ድማ፡
5 እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን፡ ዕንጨይቲ ሽጢምን፡
6 ዘይቲ ንቐንዴል፡ ቀመማት ንመቕብኢ ዚኸውን ዘይቲ፡ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ድማ፡
7 ኣእማን ዕንቍን፡ ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን።
8 ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ።
9 ከምቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ዅሉ ኣቓሑኡን፡ ከምኡ ግበርዎ።
10 ታቦት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ይግበሩ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን።
11 ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦ፡ ውሽጡን ግዳሙን ለብጦ። ላዕላዩ ኸኣ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።
12 ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ግበር፡ ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ።
13 ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ።
14 እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወርሲ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእትዎ።
15 እቲ መሰላታት ኣብቲ ቐላብቲ ታቦት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ።
16 ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ከተንብሮ ኢኻ።
17 መኽደን መተዓረቒ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር፡ ምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቃን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።
18 ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ኽትገብር ኢኻ። ቀጥቂጥካ ትሰርሖም እሞ ኣብ መኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ትገብሮም።
19 ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፡ ካልኣይ ኪሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ነቶም ኪሩቤል፡ ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ሓደ ዀይኑ፡ ብኽልተ ወሰኑ ግበርዎም።
20 እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኸውልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል።
21 ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።
22 ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለው ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ኽነግረካ እየ።
23 ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን።
24 ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፡ ብዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።
25 ዙርያኡ ድማ ጋት ዝምግፋሑ ኽቡስ ግበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።
26 ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበሮ።
27 እቲ ቐላብቲ ድማ፡ ንምጽዋር እቲ ሰደቓ መሰላታት ኪኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ይኹን።
28 እቲ ሰደቃ ብእኡ ኺጽወርሲ፡ መሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር እሞ ብወርቒ ለብጦ።
29 ድማ ዚኽዕዉሉ ጻሕልታቱን ጭሔሎታቱን ኵስኵስትታቱን ጽዋኣቱን ግበር፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበሮ።
30 ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወርትግ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ተንብር።
31 ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር። እቲ ቐዋሚ ቀንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ይገበር። ጽውኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ይኹን።
32 ካብ ጎቦታቱ ሹድሽተ ጨንፈር ይውጻእ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ሰለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይውጻእ።
33 ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ካልኣይ ጨንፈር ድማ ከምኡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕንባባን። ነቲ ኻብቲ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ።
34 ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን ይገበሮ።
35 ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን።
36 ከበብቱን ጨናፍሩን ምስኡ ብሓደ ይኹን፡ ኵሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ እተሰርሔ ይኹን።
37 ንእኡ ድማ ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ስርሓሉ። እቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ ንቕድሚት ኣቢሉ ከም ዜብርህ ኣብ ልዕሊኡ ይነበር፡
38 መሳቐይኡን መዋህለል ርስሓቱን ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን።
39 ንሱ፡ ምስ እዚ ዅሉ ኣቓሑ እዚ፡ ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ይገበር።
40 ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ኽትገብሮ ኸኣ ጠምቶ።

1 ብዓሰርተ ዓለባታት ማሕደር ግበር። ምስ ናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ ኪሩቤል ጌርካ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ግበሮ።
2 ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሾሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ስፍሪ ዅሉ እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን።
3 እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም።
4 ኣብቲ ብሓደ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸኣ ከምኡ ግበር።
5 ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። እቲ መኸንትቦታት ንሓድሕዱ መጣምቲ ይኹን።
6 ሓምሳ መቘለፊ ወርቂ ድማ ግበር። እቲ ማሕደር ሓደ ኪኸውንሲ፡ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቝላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጥሞ።
7 ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ግበር። እቲ ዓለባታት ከኣ ዓሰርተው ሓደ ግበሮ።
8 ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ስፍሩ ማዕረ ይኹን።
9 ሓሙሽተ ኻብቲ ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣጋጥሞ። ከምኡ ከኣ እቲ ሹድሽተ ዓለባ ብሓደ ይኹን። እቲ ሳድሳይ ዓለባ ብሸነኽ ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርቦ።
10 ኣብቲ ሓደ እተጋጠመ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር።
11 ካብ ኣስራዚ ኸኣ ሓምሳ መቘለፊ ግበር፡ ነቲ ኣቝላፍ ናብቲ መኸንትቦታት ኣእትዎ፡ እቲ መደረብታ ሓደ ኪኸውን ኣጋትሞ።
12 ካብቲ ናይ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝተረፈ ሕልፊ ፈርቓ እቲ ዝሓለፈ ዓለባ ብድሕርቲ ማሕደር ይጀርበብ።
13 እቲ ኻብ ምንዋሕ ናይቲ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝሓለፈ፡ ምእንቲ ኪኸድኖ፡ ብኽልተ ሸነኹ፡ እመት በዚ እመት በቲ፡ ነቲ ማሕደር በዝን በትን ይጀርበብ።
14 ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቈርበት ታሃስ መኽደን ግበር።
15 ነቲ ማሕደር ድማ ደው ዚብል ኣልዋሕ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበረሉ።
16 ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።
17 ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጋጠመ ሸኻል ይገበሮ። ንዅሉ ኣልዋሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ግበሮ።
18 ነቲ ማሕደር ከኣ ኣልዋሕ ግበርሉ፥ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ግበር።
19 ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ግበር፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ ግበረሉ።
20 በቲ ኻልኣይ ወገን ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ፡
21 እቲ ኣርብዓ ናይ ብሩር እግሩ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ግበር።
22 ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ሹድሽተ ሉሕ ግበር።
23 ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ድማ ንመኣዝኑ ኽልተ ሉሕ ግበረሉ።
24 እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፡ ክሳዕ ላዕሊ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ይኹን።
25 እቲ ኣልዋሕ ሸሞንተ፡ እቲ ናይ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሽዱሽተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ይኹን።
26 ጋድማት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፥ ብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡
27 ብኻልኣይ ሸነኽ ኣቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም ግበር።
28 እቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣልዋሕ ዘሎ ማእከላይ ጋድም ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ።
29 ነቲ ኣልዋሕ ድማ ብወርቂ ለብጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣተዎ ቐላብቱ ኸኣ ካብ ወርቂ ግበሮ። ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለብጦ።
30 ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኤኻዮ ኣሰራርሓኡ ጌርካ ኽትተኽሎ ኢኻ።
31 ድማ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ጌርካ፡ መጋረጃ ግበር፡ ምስ ብብልሓት ኣተገብረ ኪሩቤል ይገበር።
32 ብወርቂ ኣብ እተለበጠ መሰቓቐሊ ወርቂ ዘለዎ፡ በርባዕተ እግሪ ብሩር ደው ዝበለ፡ ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ጌርካ ስቐሎ።
33 ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቝላፍ ስቐሎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም።
34 ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕልሊ ታቦት ምስክር ግበሮ፡
35 ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ወጻኢ መጋረጃ ኣንብሮ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብ መንጽር ሰደቓ፡ ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ደቡቡ፡ ነቲ ሰደቓ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜኑ ግበሮ።
36 ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እትዐየ መጋረጃ ግበር።
37 ነቲ መጋረጃ ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሽጢም ግበረሉ ብወርቂ ድማ ለብጦ፡ መሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ወርቂ ይኹን። ካብ ኣስራዚ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ብፍሲ ግበረሉ።

1 መሰውኢ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ ግበር።እቲ መሰውኢ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።
2 ኣቕርንቱ ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን፡ በስራዚ ኸኣ ለብጦ።
3 ንሓመዅስቱ ዚኸውን ቍራዕን፡ መጽሓርያኡን ጭሔሎኡን መውግእ ስጋኡን ምድጃኡን ግበር፡ እዚ ዅሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ግበሮ።
4 ካብ ኣስራዚ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፡ ነቲ መንፊት ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣስራዚ ግበረሉ።
5 ንእኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርከን መሰውኢ ግበሮ፡ እቲ መንፊት ካብ ታሕቲ ኽሳዕ ፈረቓ መሰውኢ ይብጻሕ።
6 ነቲ መሰውኢ ድማ መሰላታት ግበረሉ፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ጌርካ በስራዚ ለብጦ።
7 እቲ መሰውኢ ምስ ዚጽወር፡ እቲ መሰላታት ከኣ ብኽልተ ሸነኹ ኪኸውን፡ ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ።
8 ጓንጓ ጌርካ ኻብ ሉሕ ግበሮ። ከምቲ ኣብ ከረን እተራእየካ ከምኡ ይግበርዎ።
9 ነቲ ማሕደር ኣጸድ ግበረሉ፡ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡቡ ነቲ ሓደ ወገኑ፡ ብእተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበር።
10 ኣዕኑድ ድማ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን።
11 ከምኡ ድማ በቲ ነዊሕ ሸነኽ ሰሜን ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ኸኣ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን።
12 ብወርዱ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ከኣ ዓሰርተ፡ ኣኣጋሩውን ዓሰርተ ይኹን።
13 ምግፋሕ እቲ ኣጸድ ብቕድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ሓምሳ እመት ይኹን፡
14 ናይቲ ሐደ ሸነኽ መጋረጃታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት፡ ኣዕኑድ ሰለስተ፡ ኣኣጋሩ ኸኣ ሰለስተ ይኹን።
15 በቲ ኻልኣይ ሸነኽ ድማ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ሰለስተ ኣእጋሩ ከኣ ሰለስተ ይኹን።
16 ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑድ ኣርባዕተ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን።
17 ነቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ዅሉ ኣዕኑድ ኣዛንግ ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ይገበሮ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን።
18 ምንዋሕ እቲ ኣጸድ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓምሳ እመት፡ ቍመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ይኹን፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣኣጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን።
19 ኵሉ ኣቓሑ እቲ ማሕደርን ንመተዓየዪኡ ዚኸውን ኵሉን፡ ኵሉ ሸኻውልቲ ኣጸድን ካብ ኣስራዚ ይኹን።
20 ንስኻ ድማ፡ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኺበርህሲ፡ ካብ እተጐድኤ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኼምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
21 ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣሮንን ደቁን፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልውዎ። ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

 

1 ንስኻ ከኣ ንሓውካ ኣሮን፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ካህናት ኪኰኑኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም።
2 ንኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ።
3 ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም፡ ብልቦም ፈላጣት ዝዀኑ ዅሎም ንኣሮን፡ ካህነይ ንምዃን ኪቕደስ፡ ኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም።
4-5 እቲ ዚገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ ኣዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኤፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን፡ እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይግበሩሎም።
6 ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ።
7 ንምግጣሙ ብኽልተ ወሰኑ ኽልተ እተጋጠመ ኽፍሊ መንኩብ ይሀልዎ።
8 እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚኸውን ብብልሓት እተገበረ ዚዕጠቑሉ ቕናት ከኣ ምስኡ ብሓደ እተጋጠመ፡ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ፡ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ይኹን።
9 ክልተ እምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ።
10 ሽድሽተ ኻብ ስሞም ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቶም ዝተረፉ ሹድሽተ ስም ድማ ከከም ምላዶም ጌርካ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ ቕረጽ።
11 ቀራጽ እምኒ ማሕተም ከም ዚቐርጽ፡ ከምኡ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጽ። ዚሕዞ ኸኣ ትትዖ ወርቂ ኣዙረሉ።
12 ነቲ ኽልተ ኣእማን ድማ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ መናኹብ ኤፎድ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ መንኵቡ ስሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ይጹሮ።
13 ትትዖ ወርቂ ድማ ግበር።
14 ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ከም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ኽልተ ሰንሰለት ግበር፡ ነቲ እተጠውየ ሰንሰለት ምስቲ ትትዖ ግበሮ።
15 ብብልሓት እተገበረ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸኣ ግበር። ከም ስራሕ ኤፎድ፥ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበሮ።
16 ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ድርብ ድማ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ይኹን።
17 ዚዛነቕ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣጥብቐሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፡ ሳርድዮን፡ ቶጳዝዮን፡ ስመራግዶስ፡
18 ኣብ ካልኣይ መስርዕ ከኣ፡ ሰመንጉኒ፡ ሰፊሮስ፡ ኣልማዝ።
19 ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ድማ፡ ህያክንቶስ፡ ኣካት፡ ኣሜቲስጦስ።
20 ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከኣ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ብትትዖ ወርቂ ተከቢቡ ይጥበቕ።
21 እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ፡ ከምቲ ስሞም ይኹን። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ፡ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ይኹን።
22 ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ብምጥዋይ እተገበረ ሰንሰለታት ግበሮ።
23 ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበር፡ እቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ።
24 ንኽልቲኡ እተጠውየ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ግበሮ።
25 ንኽልቱኡ ኻልእ ኣምፊ እተጠውየ ሰንሰለት ከኣ ምስ ክልቲኡ ትትዖ ኣተሓሒዝካ ኣብቲ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮ።
26 ክልተ ቐለቤት ድማ ካብ ወርቂ ግበር እሞ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ናብ ሸንኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ግበር።
27 ክልተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ስራሕ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚጋጠመሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገበረ ቕናት ኤፎድ ግበሮ።
28 እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኻብ ኤፎድ ከይፍለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ነቲ ቐላብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ምስቲ ቐላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰር።
29 ኣሮን ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ።
30 ንኡሪምን ቱሚምን* ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ።
31 ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ኵለንትናኡ ኻብ ሰማያዊ ግበሮ።
32 ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዜሕልፍ ኣፍ ይሀልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸምቲ ድርዒ እተኣልመ መኽፈፊ ይሀልዎ።
33 ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈሩ ኸኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሮማን ግበረሉ። ኣብ መንጎኤን ድማ ኣብ ዙርያኡ፡ ቃጽል ወርቂ ግበረሉ።
34 እሞ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ኣብ ዙርያኡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን ይኹን።
35 ኣሮን ኣብ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪኣቱ ኸሎን ኪወጽእ ከሎን ምእንቲ ኸይመውት፡ ኪስማዕሲ ኬገልግል ከሎ ይከደኖ።
36 ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ብሊቃ ግበር፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ቅረጽሉ።
37 ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣጥብቆ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸኣ ብሸነኽ ቅድሚት ይኹን።
38 ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ድማ እቲ ደቂ እስራኤል ዜቕርብዎ ዅሉ ቅዱስ ህያብ ናይቲ ቅዱስ ህያቦም በደል ይጹር። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ኪዀነሎምሲ፡ ወርትግ ኣብ ግምባሩ ይኹን።
39 ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ ታሕቲ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እለም። መጠምጠምያ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበር። እተጠልፈ ቕናትውን ግበር።
40 ንደቂ ኣሮን ድማ ቀመውሽ ግበረሎም፡ ቅናውቲውን ግብረሎም። ንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ግበረሎም።
41 እዚ ንኣሮን ሓውካን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ክደኖም፡ ቅብኣዮም ድማ፡ ኣእዳዎምውን ምልኣሎም፡ ካህናት ኪዀኑኒ ኸኣ ቀድሶም።
42 ንሕፍረቶም ዚኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበረሎም፡ ካብ ሕቝኦም ክሳዕ ብርኮም ዚበጽሕ ይኹን።
43 ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ከይሞቱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ኣብ መቕደስ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ይዕጠቕዎ። እዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

 

1 ካህናተይ ኪዀኑኒ ኽትቅድሶም ከሎኻ እትገብረሎም ነገር እዚ እዩ፥ ሓደ ዝራብዕን ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ድዑልን ውሰድ፡
2 ዘይበዅዔ እንጌራን ብዘይቲ እተቘምጥዔ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኽየ ረቂቕ ቅጫታትን ድማ ውሰድ ካብ ድኹም ሓርጭ ስርናይ ግበሮ።
3 ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፡ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ድዑልን ጌርካ ኣቕርቦ።
4 ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ብማይ ድማ ሕጸቦም።
5 ነቲ ኣልባሳት ወሲድካ ድማ፡ ንኣሮን ቀምሽ ታሕትን ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕልን፡ ኤፎድ ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት እተገበረ ቅናት ኤፎድ ጌርካ ኸኣ ኣዕጥቆ።
6 ኣብ ርእሱ ድማ መጠምተምያ ግበረሉ፡ ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።
7ዚቕባእ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ ዅዒኻ ቅብኣዮ።
8 ንደቁ ኸኣ ኣቕርቦም እሞ፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኽደኖም።
9 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፡ መጠምጠምያውን ግበረሎም። እቲ ኽህነት ከኣ ንኣታቶም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ትቕድሶም።
10 ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ።
11 ነቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕረዶ።
12 ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ በጻብዕካ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፡ ንኵሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኽዐዎ።
13 ነቲ ናውቲ ኸብዲ ዜጐልብብ ቋንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን ንኽልቲኡ ዅሊትን ኣብ ልዕሉኡ ዘሎ ስብሕን፡ ንዅሉ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።
14 ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፡ መስዋእቲ ሓጢያት እዩ እሞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንድዶ።
15 ነቲ ሓደ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።
16 ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ነቲ ደሙውን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ።
17 ነቲ ድዑል ድማ በብብልዕቱ ቘራርጾ፡ ነቲ ናውቲ ኸብድን ኣእጋሩን ከኣ ሓጺብካ ኣብ ልዕሊ እቲ እተቘራረጸ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ።
18 ነቲ ድዑል ድማ ብዘሎ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ እዩ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
19 ነቲ ኻልኣይ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።
20 ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ካብ ደሙ ወስዲካ ድማ ኣብ ወሰን የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን ኣብ ወሰን የማኖት ኣእዛን ደቁን ኣብ የማኖት ዓበይቶ ኣእዳዎምን የማኖት ዓበይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ።
21 ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፡ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ከኣ ምስኡ ንጸጎ። እሞ ንሱን ኣልባሱን ምስኡ ኸኣ ደቁን ኣልባስ ደቁን ይቕደሱ።
22 ድዑል ምቕዳስ እዩ እሞ፡ ናይቲ ድዑል ስብሒ፡ ኰልኰልን እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚጕልብብ ቋንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኡ ኵሊትን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን የማናይ እግርን ውሰድ።
23 ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ዘይበዅዔ እንጌራ ዘለዎ መሶብ ከኣ ሓደ ሕብስትን ሓደ ቕጫ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ውሰድ።
24 እዚ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ እሞ፡ ከም ዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወዝውዞ።
25 ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕርሮ። እዚ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
26 ሓኸለ እቲ ድዑል ምቕዳስ ኣሮን ውሰድ እሞ ከም ዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወዝውዞ። ንሱ ኸኣ ግዴኻ ይኹን።
27 እቲ ንኣሮንን ንደቁን ዚግባእ፡ ነቲ ሓኸለ ዚውዝወዝ መስዋእቲ ነቲ ዚለዐል መስዋእቲ እግርን ናይቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ዚውዝወዝን ዚለዐልን፡ ቀድስ።
28 እዚ ዚለዐል መስዋእቲ እዩ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንኣሮንን ንደቁን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። እዚ ኻብቲ ደቂ እስራኤል ካብ ናይ ምስጋና መስዋእቶም ዚለዐል መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ዚለዐል መስዋእቶም ይኹን።
29 እቲ ቅዱስ ኣልባስ ኣሮን ከኣ፡ ንሳቶም ብእኡ ኪቕብኡ ብእኡ ድማ ኪቕደሱ ብድሕሪኡ ንደቁ ይኹን።
30 ካብ ደቁ እቲ ኣብ ስፍራኡ ኻህን ዚኸውን፡ እቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬግልግል ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ይልበሶ።
31 ነቲ ድዑል ምቕዳስ ወሲድካ ድማ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ።
32 ኣሮንን ደቁን ድማ ንስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ እንጌራን፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ይብልዕዎ።
33 እዚ ብእኡ ምምላእ ኢዶምን ምቕዳሶምን ንመተዓረቒ እተገበረ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ካብኡ ጓና ኣይብላዕ።
34 ካብቲ ስጋ ምቕዳስ ወይ ካብቲ እንጌራ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ እንተ ተረፈ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣይበላዕ።
35 ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ እዚ ዅሉ ግበረሎም። ሾብዓተ መዓልቲ ትቕድሶም።
36 ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመተዓረቒ ዚኸውን ንመስዋእቲ ሓጢያት ሓደ ዝራብዕ ኣቕርብ። ነቲ መሰውኢ ኸኣ በቲ እትዕረቐሉ ኣጽርዮ፡ ክትቅድሶውን ልኸዮ።
37 ነቲ መሰውኢ ሾብዓተ መዓልቲ ኣተዐርቆን ቀድሶን። እቲ መሰውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን፡ ነቲ መስውኢ ዝተንከዮ ዅሉ ኪቕደስ እዩ።
38 እቲ ኣብ መስውኢ እተቕርቦ ኸኣ እዚ እዩ፡ ወርትግ ኣብ ጸጽባሕ ክልተ ገንሸል ዓመት።
39 እቲ ሐደ ገንሸል ብጊሓት ኣቕርቦ፡ እቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ምሸት ኣቕርቦ።
40 ምስቲ ሓደ ገንሸል ብራብዓይ ክፍሊ ሂን ጕዱእ ዘይቲ ኣውልዕ እተለውሰ ዓስራይ ክፍሊ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተውን ራብዓይ ክፍሊ ሂን ወይኒ ኣቕርብ።
41 ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ድማ ከምቲ ናይ ብጊሓት መስዋእቲ ብልዕን ከምቲ መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር እዩ።
42 እዚ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ምሳኹም ዝራኸበሉ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ውሉድ ወለዶኹም ንወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።
43 ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤል ክራኸብ እየ፡ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ኪቕደስ እዩ።
44 ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ካህናት ኪዀኑኒ ክቕድሶም እየ።
45 ኣነ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ክነብር፡ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ።
46 ኣብ ማእከሎም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጻእክዎም፡ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ።

 

1 ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ኸኣ ግበር፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ።
2 ምንዋሑ ሓደ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን።
3 ላዕላዩን ጎቦታቱን ብዙርያኡ፡ ኣቕርንቱ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ። ካብ ወርቂ ኸኣ ኣኽሊል ኣዙረሉ።
4 ክልተ ቐለቤት ወርቂ ጌርካ ድማ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ግበሮ፡ ብእኡ ኺጽወርሲ እቲ መሰላታት ኣብኡ ኺኣቱ፡ ኣብ ክልተ ወገኑ ግበሮ።
5 እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ፡ ብወርቂ ኸኣ ለብጦ።
6 ነቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ነቲ ኣነ ኣብኡ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ኣብ ቅድሚኡ ግበሮ።
7 ኣብኡ ኣሮን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን። ንግሆ ንግሆ ቐነድል ኬዳሉ ኸሎ ዕጣን ይዕጠን።
8 ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀነድል ኬብርህ ከሎ፡ ናይ ወርትግ ዕጣን ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዕጠን።
9 ጋሻ ዕጣን ኰነ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ዀነ ወይ መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኽዓዉ።
10 ኣብቲ ኣቕርንቱ ድማ ኣሮን ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ። ንውሉድ ወለዶኹም ብደም መስዋእቲ ናይ ምትዕራቕ ሓጢኣት ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
12 ንደቂ እስራኤል ምስ እትቘጽሮም፡ ምስ ተቘጽሩ፡ በቲ ምቝጻሮም ሕማም ከይኰኖም፡ ነፍሲ ወከፍ በጃ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ።
13 ነፍሲ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሐለፈ፡ በቲ ሲቃል መቕደስ ፈረቓ ሲቃል ይሀብ። ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ እዩ እሞ፡ ፈረቓ ሲቃል መባእ ንእግዚኣብሄር ይኹን።
14 ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሐለፈ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ካብኡ ንላዕሊውን፡ እቲ መባእ ንእግዚኣብሄር ይሀብ።
15 እቲ በጃ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ ኸሎኹም፡ ሃብታም ካብ ፈረቓ ሲቃል ኣየብዝሕ፡ ድኻ ኸኣ ኣየውሕድ።
16 እቲ ገንዘብ መተዓረቒ ድማ፡ ንመተዓረቒ ንፍስኹም፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከሪ ኪኸውን፡ ካብ ደቂ እስራኤል ወሲድካ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ግበሮ።
17 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
18 ንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ ኣጋሮኡ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ግበሮ፡ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮ እሞ፡ ማይ ግበረሉ።
19 ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሐጸቡ።
20 ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ንእግዚኣብሄር መሰዋእቲ ሓዊ ብምንዳድ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ምእንቲ ኸይሞቱስ፡ ማይ ይተሐጸቡ።
21 ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሐጸቡ። እዚ ኸኣ ንኣታቶም፡ ንእኡን ንዘርኡን፡ ንውሉድ ወለዶኦም፡ ስርዓት ዘለኣለም ይኹን።
22 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
23 ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል።
24 ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ።
25 ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን።
26 ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፡
27 ነቲ ሰደቓን ኵሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን ንመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡
28 ንመሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቅባእ።
29 ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶ። ዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስ።
30 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን።
31 ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኹነለይ።
32 ኣብ ስጋ ሰብ ኣይኵዖ፡ ካልእውን ከምቲ ኣገባብራኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን።
33 እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፡ እቲ ኻብኡ ንኻልእ ሰብ ዝለኸየን ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።
34 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጥዑም ጨናታት፡ ከርበን ሸኽለትን ከልበናን፡ ጥዑም ጨናታት ምስ ጽሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዚኸውን ጌርካ ውሰድ።
35 ንእኡ ድማ ከም ብብልሓት እቶም ገበርቲ ቕብኢ ጨው ዝኣተዎ ጽሩይ ቅዱስ ቅብኢ ዕጣን ግበሮ።
36 ካብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብሮ። ንኣኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።
37 እቲ በዚ ኣገባብራኡ እትገብሮ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹነልካ።
38 ዝዀነ ይኹን ኪዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 እንሆ፡ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸዊዔዮ ኣሎኹ።
3-5 ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሐስብ፡ ንምዝናቕ ዚኸውን ኣእማን ኪቐርጽ፡ ዕጨይቲውን ንምጽራብ፡ ኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ።
6 እንሆ ኸኣ፡ ንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ ኣሎኹ። እቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ዅሎም ብልሓታኛታት ጥበብ ኣንቢረ ኣሎኹ።
7 ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መትዓረቕን ኵሉ ኣቓሑ ድንኳንን፡
8 ሰደቓን ኣቓሑኡን እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡
9 መሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን እቲ ገበራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ፡
10 ኣልባስ ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣልባስ ድማ ንኣሮን ካህንን ንደቁን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ፡
11 ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ምኡዝ ዕጣንን፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
13 ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኽትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ እየን እሞ፡ ስናብተይ ኣጸቢቕኩም ሐልዉ።
14 ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡ ንሰንበት ሐልውዋ። ብእኣ ገለ ዕዮ ዚዐዪ ዅሉ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ እሞ፡ እቲ ዘርክሳ ሞት ይሙት።
15 ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ ሳብዐይቲ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ዝዐየየ ዅሉ ሞት ይሙት።
16 ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ኬብዕልዋ፡ ደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሐልውዋ።
17 እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ።
18 ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ክልተ ጽላት ምስክር፡ በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሀቦ።

1 እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረኣየ፡ ናብ ኣሮን ተኣከበ እሞ፡ ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ፡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ።
2 ኣሮን ድማ፡ እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቒ ቐንጢጥኩም ኣምጽኡለይ፡ በሎም።
3 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቀላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ።
4 ንሱ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ብመንደል መመሰሊ ቀሪጹ፡ ኣፍሲሱ ኸኣ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም፡ በሉ።
5 ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሔ፡ ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ፡ ኢሉ ድማ ኣወጀ።
6 ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ዚሐርር መስዋእቲ ሰውኡ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ፡ ኪስሐቑ ኸኣ ተንስኡ።
7 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ።
8 ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መግዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገበሩ፡ ሰገድሉን ሰውኡሉን ከኣ፡ ዎ እስራኤል፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዩም፡ ድማ በሉ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሉኹ፡ እንሆ፡ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ።
10 ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።
11 ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧
12 ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ፧ ካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፋእ ድማ ተጠዐስ።
13 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሐልካሎም፡ ንባሮትካ ዘክር።
14 እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ።
15 ሙሴ ድማ ተመልሰ፡ ነተን ክልተ ጽላት ምስክር፡ በዝን በትን እተጻሕፋ፡ ብኽልቲኡ ገጸን ጽሑፋት ዝነበራ ጽላት፡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኻብ ከረን ወረደ።
16 እተን ጽላት ድማ ስራሕ እግዚኣብሄር ነበራ፡ ኣብተን ጽላት እተቐርጸ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት እግዚኣብሄር እዩ።
17 እያሱ ድማ እልልታን ጭራሕ ምራሕ እቶም ህዝብን ምስ ሰምዔ፡ ንሙሴ፡ ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ይስማዕ ኣሎ፡ በሎ።
18 ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ደሃይ ዝሰዐሩ ኣይኰነን፡ ደሃይ እተሳዕሩ ድማ ኣይኰነን፡ ኣነ ደሃይ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ፡ በሎ።
19 ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ፡ ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕስዒትን ርእዩ፡ ኵራኡ ነደደ እሞ፡ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ሰበረን።
20 ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፡ ጥሒኑ ኣድከሞ፡ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም።
21 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ እዚ ዓብዪ ሓጢያት ዘምጻእካሉስ እዚ ህዝብዚ እንታይ ገበርካ፧ በሎ።
22 ኣሮን ከኣ፡ ኵራ ጐይታይ ኣይንደድ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽፋእ ምኳኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
23 እቲ ሙሴ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበና ሰብኣይ፡ ንእኡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በሉኒ።
24 ኣነ ድማ፡ ወርቂ ዘለዎ ይቐንጥጦ፡ በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ሀቡኒ፡ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርቤኽዎ፡ እዚ ምራኽ እዚ ኸኣ ወጸ።
25 ኣሮን ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ጻላእቶም ንመነወሪ ስዲ ሐዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፈንዮም ምስ ረኣዮም፡
26 ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ናባይ ይምጻእ፡ በለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸኣ ናብኡ ተኣከቡ።
27 ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ እቑኡ ይዕጠቕ። ካብ ደገ ናብ ደገ ኸኣ ኣብዚ ሰፈር ተመላለሱ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ንፈታዊኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ንጐረቤቱ ይቕተል፡ በሎም።
28 ደቂ ሌዊ ድማ ከምቲ ዘረባ ሙሴ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወደቑ።
29 ሙሴ ድማ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ በረኸት ምእንቲ ኺወሀበኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብወዱን ብሓዉን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ተቐደሱ፡ በለ።
30 ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕጂ ኸኣ፡ ምናልባሽ ሓጢያኣትኩም እንተ ኣተዐረቕኩ፡ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ፡ በሎም።
31 ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ።
32 ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ፡ በለ።
33 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሐኮ፡
34 ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሚኣኻ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ፡ ሓጢኣቶም ክቐጽዕ እየ፡ በሎ።
35 እሞ እቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩ፡ እግዚኣብሄር ነቶም፡ ህዝቢ ቀዘፎም።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ኺዱ እሞ፡ ናብታ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ ኢለ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይብ።
2 ቀቅድሜኻ ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ እሞ ንኸነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ክሰጎም እየ።
3 ንሱ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኼእትወካ እዩ። ንስኻ ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸየጥፍኣካስ፡ ኣብ ማእከልካ ኣይድይብን እየ፡ በሎ።
4 እቶም ህዝቢ እዚ ኽፉእ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ ጐሀዩ እሞ ሓደ እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን።
5 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ቅጽበት ዓይኒ ኣብ ማእከልካ እንተ ዝድይብ፡ ምወዳእኩኻ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ንኣኻ እንታይ ከም ዝገብረካ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ስልማትካ ካባኻ ቀንጥጥ፡ በሎም።
6 ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንነጀው ስልማቶም ቀንጠጡ።
7 ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ ሰፈር፡ ካብ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎ። ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣውጻኣሉ። ኰነ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ዝደለየ ዘበለ ንወጻኢ ሰፈር ናብ ድንኳን ምራኻብ ይኸይድ ነበረ።
8 ኰነ ድማ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ዚወጽእ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው በለ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ክሳዕ ዚኣቱ ደድሕሪኡ ይጥምቶ ነበረ።
9 ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ እቲ ዓንዲ ደበና ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፡ ንሙሴ ድማ ይዛረቦ ነበረ።
10 ኵሉ ህዝቢ ድማ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ረኣዮ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተንስኤ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ዀይኑ ይሰግድ ነበረ።
11 ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰፈር ተመልሰ። እቲ ጐበዝ ግልያኡ፡ እያሱ ወዲ ነዌ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
12 ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ንስኻ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣደይቦ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ምሳይ ንመን ከም እትሰድድ ከኣ፡ ንስኻ ኣየፍለጥካንን። ንስኻ ግና፡ ብስምካ እፈልጠካ ኣሎኹ፡ ኣብ ዓይነይ ድማ ሞገስ ረኺብካ ኣሎኻ፡ በልካኒ።
13 እምበኣርሲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ኪረክብ፡ በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ። እዚ ህዝቢዚ ኸኣ ህዝብኻ ከም ዝዀነ ርኤ፡ በሎ።
14 እግዚኣብሄር ድማ፡ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድ፡ ከዕርፈካ ኸኣ እየ፡ በሎ።
15 ገጽካ ምሳና ዘይኸይድ እንተ ዀይኑስ፡ ካብዚ ኣይተደይበና።
16 ኣነን ህዝብኻን ኣብ ዓይንኻ ጸጋ ኸም ዝረኸብና፡ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለው ዅሎም ህዝብታት ከም እንፍለ ደኣ፡ ብምንታይ ይፍለጥ፧ ንስኻ ምሳና ብምኻድካዶ ኣይኰነን፧ በሎ።
17 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ዓይነይ ጸጋ ረኺብካ፡ ብስምካ ኸኣ ፈሊጠካ እየ እሞ፡ እዚ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ፡ በሎ።
18 ንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ፡ በሎ።
19 ንሱ ኸኣ ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ። ነቲ ኽምጕሶ ዝደሌኹ ኽምጕሶ እየ፡ ነቲ ኽምሕሮ ዝደሌኹ ድማ ክምሕሮ እየ፡ በለ።
20 ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ።
21 እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ ኣሎ፡ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ።
22 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳድ ከውሒ እገብረካ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ እየ።
23 ኢደይ ድማ ኤልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒ፡ ግጸይ ግና ኣይርኤን እዩ፡ በለ።

 

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንኣኻ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ፡ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣነ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፎ እየ።
2 ንጽባሕ ድማ ተዳሎ፡ ኣንጊህካ ኸኣ ናብ ከረን ሲና ደይብ እሞ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ናባይ ተረኸብ።
3 ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ ኸረን ከኣ ገለ ሰብ እኳ ኣይርኤ፡ ኣባጊዕን ኣሓን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኸረን ኣይውፈራ፡ በሎ።
4 ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸረበ። ንጽብሒቱ ኸኣ ሙሴ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ ንኽልቲኤን ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ።
5 እግዚኣብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እሞ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።
6 እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሐለፈ ኣወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንኹራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡
7 ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ።
8 ሙሴ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፡
9 እሞ በለ፡ ጐይታይ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኽትብለልና፡ ርስትኻ ጌርካውን ክትቅበለናስ፡ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ፡ በጃኻ፡ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ።
10 በለ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኺዳን ክገብር እየ። ንእኡ ዚመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዘይተገብረ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዜፍርህ ነገር እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚኣብሄር ኪርኢ እዩ።
11 እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሐሉ፡ እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኸውጽኦም እየ።
12 ኣብ ማእከልካ ንመፈንጠራ ኸይኰኑስ ምስቶም ኣብታ ንስኻ እትኣትዋ ምድሪ ዚነብሩ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ።
13 መሰውኢታቶም ደኣ ኣፍርሱ፡ ሓወልትታቶም ስበሩ፡ ኣሽሪሞም* ከኣ ኣፍርሱ።
14 እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።
15-16 ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዚምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡን፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ።
17 ዝፈሰሱ ኣማልኽቲ ንኣኻ ኣይትግበር።
18 ንበዓል ቅጫ ሐልዎ። ካብ ግብጺ ብወርሒ ኣቢብ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ጊዜ ብወርሒ ኣቢብ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ።
19 ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ፡ ተባዕታይ ዘበለ በዅሪ ማልካ ድማ ብዕራይን በጊዕን ናተይ እዩ።
20 በዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተበጀዎ። ክትብጀዎ እንተ ዘይፈቶኻ ድማ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ኸኣ ነቲ በዅሪ ዘበለ ተበጀዎ። ሓደ እኳ ጥራይ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይርኤ።
21 ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ዕረፍ። ብጊዜ ማሕረስን ዓጺድን ድማ ዕረፍ።
22 ኣብ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ናይ ሰሙናት በዓል ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምትሕሳስ ኣብዕል።
23 ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርኤ።
24 ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጕ እየ፡ ንዶባትካ ድማ ከግፍሖ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብ፡ ንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን።
25 ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰዋኣዮ። እቲ መስዋእቲ በዓል ፋስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
26 መጀመርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱ።ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኣ ኣይተብስሎ።
27 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፡ እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሐፎ፡ በሎ።
28 እንጌራ ኸይበልዐን ማይ ከይሰተየን፡ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኺዳን ቃላት፡ እቲ ዓሰርተ ቓላት፡ ኣብተን ጽላት ጸሐፎ።
29 ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ፡ በቲ ካብ ከረን ምውራዱ እተን ክልተ ጽላት ምስክር ኣብ ኢድ ሙሴ ነበራ፡ ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ እቲ ቖርበት ገጹ ኸም ዘንጸባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ።
30 ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረኣዩ፡ እንሆ፡ ቆርበት ገጹ የንጸብርቕ ነበረ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።
31 ሙሴ ኸኣ ጸውዖም፡ ኣሮንን ኵሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ ተመልሱ፡ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም።
32 ድሕርዚ ኸኣ ኵሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ክረን ሲና ዝነገሮ ዅሉ ኣዘዞም።
33 ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ገጹ ጕልባብ ገበረ።
34 ሙሴ ምስኡ ኺዛረብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ ጕልባብ የልዕሎ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ እቲ እተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ።
35 ደቂ እስራኤል ድማ ቆርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዜንጸብርቕ፡ ገጽ ሙሴ ይርእዩ ነበሩ፡ ሙሴ ኸኣ ምስኡ ንምዝራብ ክሳዕ ዝኣቱ ነቲ ጕልባብ ናብ ገጹ መለሶ።

 

1 ሙሴ ድማ ንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ በሎም።
2 ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ብእኣ ዕዮ ዝዐየየ ዅሉ ይሙት።
3 ኣብ እትነብርዎ ዅሉ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይተንድዱ።
4 ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡
5 ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ፡ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡
6 ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን፡
7 እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን ዕጨይቲ ሽጢምን፡
8 ዘይቲ ንቐንዴልን ቀመማት ድማ ንዚቕባእ ዘይትን ንሙእዝ ዕጣንን፡
9 ኣእማን ዕንቍን ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን።
10 ኣባኻትኩም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ኵላቶም ይምጽኡ፡ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ።
11 እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳኑን መደረብታኡን ኣቝላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩ ድማ፡
12 ታቦትን እቲ መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን ዚጋረድ መጋረጃን፡
13 ሰደቓን እቲ መሰላታቱን ዅሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን፡
14 እቲ ዜብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን ኣቓሑኡን፡ ቀልዒ ቐንዴልን ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን፡
15 መሰውኢ ዕጣንን እቲ መሰላታቱን፡ ዘይቲ ንመቕብእን፡ ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ነቲ ደገ ማሕደርን፡
16 መሰውኢ ምሕራርን እቲ ናይ ኣስራዚ መጋረዲኡን መሰላታቱን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ እቲ ገበራ ምስ ኣጋሮኡ፡
17 መጋረጃታት ኣጸድን ኣዕኑድን ኣእጋሩን፡ መጋረጃ ኣፍ ኣጸድ ከኣ፡
18 ሸኻውልቲ ማሕደርን ሸኻውልቲ ኣጸድ እቲ ኣግማዱን፡
19 ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣልባስ ኣገልግሎት፡ ቅዱሳት ኣልባስ ንኣሮን ካህንን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ ደቁን ከኣ።
20 ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጹ።
21 ነፍሲ ወገፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ፡ ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤ።
22 ፍታው ልቡ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን መጺኦም፡ ኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ኵሉ ኣቓሑ ወርቅን ሀቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ኣቕረበ።
23 ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን እተረኽቦ ዘበለ ሰብ ኣምጽኦ።
24 ነፍሲ ወከፍ ህያብ ብሩርን ኣስራዝን ዝሀበ፡ ህያቡ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኤ። ነፍሲ ወከፍ ዕጨይቲ ሽጢም ዝነበሮ ንዝዀነ ዕዮ ኣገልግሎት ኪኸውን ኣምጽኦ።
25 ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፡ እቲ ዝፈተላኦ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ኣምጽኣኦ።
26 ኵለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዘልዓለን ከኣ ጸጕሪ ጤል ፈተላ።
27 እቶም ሓላቑ ድማ ኣእማን ዕንቍን ኣብ ኤፎድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን፡
28 ቀመማትን ዘይቲ ንምብራህ ንዘይቲ ቅብኣትን ንምኡዝ ዕጣንን ዚኸውን ኣምጽኡ።
29 ደቂ እስራኤል ንፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ብሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ግብሪ ዚኸውን ኪህብ ልቡ ዘልዐሎ፡ ብፍታው ህያብ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ።
30 ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ርኣዩ፡ እግዚኣብሄር ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸውዖ።
31 ንእኡ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን፡
32 ንምሕሳብ ብልሓት፡ ብወርቅን ብብሩርን፡ በስራዝን ንምዕያይ፡
33 ዚዛነቕ ኣእማን ንምውቃርን ንምጽራብ ዕጨይትን፡ ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምዕያይ፡
34 ንእኡን ንኦሆልያብ፡ ወዲ ኣሂሳማክ ካብ ነገድ ዳንን፡ ኪምህሩ ኣብ ልቦም ሀቦም።
35 ንኣታቶም ኵሉ ዕዮ ብልሓትን ምቕራጽን ንምዕያይ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ከኣ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን ንዕዮ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምሕሳብን ብጥበባት ልቢ መልኦም።

 

1 በሳልኤልን ኦሆልያብን ኵሎም ጥበብ ልቢ ዘለዎም ሰባትን ንኣገልግሎት መቅደስ ዚኸውን ኵሉ ዕዮ ምዕያይ ኪፈልጡ፡ እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሀቦም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር ኪገብሩ እዩም።
2 ሙሴ ድማ ንቤልሳኤልን ንኦሆልያብን ንዅሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ሰባትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልቦም ጥበብ ዘሕደረሎም፡ መጺኦም ነዚ ዕዮ እዚ ኺዐዩ ልቦም ዝደረኾም ጸውዔ።
3 ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ንዕዮ ኣገልግሎት መቕደስ ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ ህያብ ኪዐዩሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ደቂ እስራኤል እቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ።
4 እቶም ንዅሉ ዕዮ መቕደስ ዚዐዩ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት ንፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዚዐይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹ።
5 ንሙሴ ኸኣ፡ እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ ኣሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
6 ሽዑ ሙሴ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ንመቅደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየ፡ ኢሎም ኣብ ሰፈር ኪእውጁ ኣዘዘ እሞ እቶም ህዝቢ ኸየምጽኡ ተኸልከሉ።
7 እቲ መተዓየዪ ንዅሉ ዚዕየ ዕዮ ዚኣክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ።
8 እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ነቲ ማሕደር ብዓሰርተ ዓለባ ገበርዎ። ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ምስናይ ብብልሓት እተዐየ ኪሩቤል ገበርዎ።
9 ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሸሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ፡ ስፍሪ ዅሉ ዓለባታት ማዕረ ነበረ።
10 ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ድማ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ።
11 ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበረ።
12 ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። እቲ መኸንትቦታት ድማ ንሓድሕዱ ኸም ዚራኸብ ገበሮ።
13 ሓምሳ ቝልፊ ወርቂ ኸኣ ገበረ እሞ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቝላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። እቲ ድንኳን ከኣ ሓደ ዀነ።
14 ንመደረብታ እቲ ማሕደር ድማ ካብ ጸጕሪ ጤል ዓለባታት ገበረ። ነቲ ዓለባታት ዓሰርተው ሓደ ገበሮ።
15 ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ኸአ ስፍሩ ማዕረ ነበረ።
16 ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ፡ ነቲ ሹዱሽተ ዓለባ ኸኣ ንበይኑ ኣጋጠሞ።
17 ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ።
18 እቲ መደረብታ ኺጋጠም እሞ ሓደ ኪኸውንሲ፡ ሓምሳ ቝልፊ ኣስራዚ ገበረ።
19 ነቲ መደረብታ ድማ ካብ እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውል መኽደን ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ካብ ቈርበት ተሃስ ካልእ መኽደን ገበረ።
20 ነቲ ማሕደር ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ደው ዚብል ኣልዋሕ ገበረ።
21 ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።
22 ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጋጠመ ሸኻል ገበረ፡ ንዅሉ እቲ ኣልዋሕ ማሕደር ከምኡ ገበረ።
23 እሞ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ኣልዋሕ፡ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገበረ።
24 ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ገይሮም፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ኣልዋሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ ገበረ።
25 በቲ ኻልኣይ ወገኑ ነቲ ማሐደር፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ፡
26 ምስ ኣርብዓ ብሩር እግሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ገበረ።
27 ብሸነኽ ድሕሪኡ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ምዕራቡ ድማ ሽዱሽተ ሉሕ ገበረ።
28 ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ኸኣ ንዀረንዑ ኽልተ ሉሕ ገበረ።
29 እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ነበረ፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት፡ ብመልኡ ኸምኡ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ዅርናዕ ከምኡ ገበረ።
30 እቲ ኣልዋሕ ሾሞንተ፡ እቲ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹድሽተ እግሪ፡ ኣብ ተትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ነበረ።
31 ጋድማት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ብሓደ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡
32 ብኻልኣይ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም ገበረ።
33 ነቲ ማእከላይ ጋድም ከኣ ብማእከል እቲ ኣልዋሕ ገይሩ ኻብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ኻልኣይ ወሰን ከም ዚሐልፍ ገበሮ።
34 ነቲ ኣልዋሕ ብወርቂ ለበጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ድማ ካብ ወርቂ ገበሮ፡ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጦ።
35 ነቲ መጋረጃ ድማ ምስናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብሩ ኪሩቤል ገይሩ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ።
36 ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ድማ ገበረሉ።ብወርቂ ኸኣ ለበጦ፡ መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ገበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበረሉ።
37 መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሩ ጠለፎ።
38 ነቲ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ድማ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበሮ። ነቲ ጕልላትን ኣዛንጉን ብወርቂ ለበጦ። እቲ ሓሙሽተ እግሩ ኸኣ ኣስራዚ ነበረ።

 

1 በሳልኤል ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ታቦት ገበረ፡ ምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ።
2 ውሽጡን ግዳሙን ድማ ብጹሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
3 ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፡ ክልተ ቐለበት ብሓደ ሸነኽ፡ ክልተ ቐለበት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ ገበሮ።
4 መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ ብወርቂ ለበጦ።
5 እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ።
6 መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ክልተ እመትን ፈረቓን ዝምንዋሑ፡ እመትን ፈረቓን ዝምግፋሑ ገበረ።
7 ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ገበረ። ብምቕጥቃጥ ሰሪሑ፡ ንመኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ገበሮም።
8 ሓደ ኪሩቤል በዚ ወሰንዚ፡ ሓደ ኪሩቤል ከኣ በቲ ወሰንቲ፡ ነቶም ኪሩቤል ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ገበሮም።
9 እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ መሊሶም፡ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፡ ንመኽደን መተዓረቒ በኽናፎም ከወልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብ መኽደን መዓረቒ ኣቢሉ ነበረ።
10 ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት፡ ምግፋሑውን እመት፡ ምብራኹ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።
11 ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ነቲ ዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
12 ነቲ ዙርያኡ ኸኣ ጋት ዝምግፋሑ ክቡስ ገበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
13 ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሰሰሉ፡ ነተን ቀላብቲ ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ገበረን።
14 እቲ ቐላብቲ፡ መሰላታት ምእንቲ ኺኣትዎ እሞ እቲ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ነበረ።
15 እቲ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር፡ ነቲ መሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበሮ ብወርቂ ድማ ለበጦ።
16 እቲ ኣብ ሰደቓ ዚንበር ኣቓሑ፡ ሒላባውቱን ጭሔሎታቱን ጽዋኣቱን እቲ መስዋእቲ መስተ ዚኽዕዉሉ ዅስኵስትታትን፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበሮ።
17 ቀዋሚ ቐንደል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረ። ንቐዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ገበሮ። ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ነበረ።
18 ካብ ጎቦታቱ ሹድሽተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ሰለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ወጹ።
19 ኣብ ሓደ ጨንፈር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ኻልኣይ ጨንፈር ድማ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰልስተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምባባን ነበረ። ኣብቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዝወጸ ሹድሽቲኡ ጨንፈር ከምኡ ነበረ።
20 ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምባባታቱን ነበረ።
21 ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ከኣ ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኽበብ። እሞ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ነበረ።
22 ከበብቶምን ጨናፍሮምን ምስኡ ሓደ ነበረ። ኵሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ሓደ ዀይኑ ተሰርሔ።
23 ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ድማ ገበረሉ፡ መሳቐዪኡን መዋህለል ርስሓቱን ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረሉ።
24 ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ገበሮ።
25 መሰውኢ ዕጣን ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ። ምንዋሑ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ እመት፡ በርባዕቲኡ ወገን ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት፡ ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ሓደ ነበረ።
26 ላዕላዩን ጎቦታት ዙርያኡን ኣቕርንቱን ብጽሩይ ወርቂ ለቦጦ፡ ዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
27 ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገይሩ ኸኣ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ገበሮ። እቲ መሰላታት ምእንቲ ኺኣትዎ ብእኡ ኺጽወር፡ ብኽልተ ሸነኹ ኣጥበቖ።
28 ነቲ መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ፡ ብወርቂ ለበጦ።
29 ነቲ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን ነቲ ጽሩይ ምኡዝ ዕጣንን ድማ ከም ብልሓት እቶም ገበርቲ ጥዑም ጨና ገበሮ።

 

1 መሰውኢ ምሕራር ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ምንዋሑ ሓሙሽተ እመት፡ ምግፋሑ፡ ኸኣ ሓሙሽተ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት።
2 ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኸኣ ኣቕርንቲ ገበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ሓደ ነበረ፡ በስራዚ ድማ ለበጦ።
3 ኵሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኸኣ ገበረ፡ መኣከብ ሓሙዅስትን መጽሓርያን ጭሔሎን መውግእ ስጋን ምድጃን፡ ንዅሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገበሮ።
4 ንመሰውኢ ዚኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ኻብ ኣስራዚ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኣርከኑ፡ ብሸነኽ ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ዚበጽሕ ገበሮ።
5 ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ኣስራዚ ኸኣ መሰላታት ኪኣትዎ፡ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣፍሰሰሉ።
6 መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ በስራዚ ኸኣ ለበጦ።
7 ነቲ መሰላታት ከኣ፡ ብእኡ ኺጽወር፡ ናብቲ ኣብ ጎቦታት መሰውኢ ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። ካብ ሉሕ ጓንጓ ገይሩ ሰርሖ።
8 ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ፡ ኣጋሮኡውን ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ካብ መስትያታት እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን መርኻብ ዜገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ገበሮ።
9 ኣጸድ ድማ ገበረ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ገበሮ።
10 ኣዕኑዱ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ዕስራ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ ናብቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።
11 ብሸነኽ ሰሜን ድማ ሚእቲ እመት፡ ኣዕኑድ ዕስራ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ዕስራ ኻብ ኣስራዚ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።
12 ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ዓሰርተ፡ ኣእጋሩውን ዓሰርተ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።
13 ብሸነኽ ምብራቕ፡ በቲ ጸሓይ እትወጸሉ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ።
14 ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ሸነኹ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃ ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ እግርን ነበረ።
15 ከምኡ ድማ ብኻልኣይ ሸነኽ፡ እሞ እቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ በዝን በትን ዐዓሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃታት ምስ ሰለስተ ዓንዱን ሰለስተ እግሩን ነበሮ።
16 ኵሉ መጋረጃታት ዙርያ እቲ ኣጸድ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ነበረ።
17 ኣእጋር እቲ ኣዕኑድ ድማ ካብ ኣስራዚ ነበረ። ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕኑድ ድማ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፡ ኵሉ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድውን ኣዛንግ ብሩር ነበሮ።
18 መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕስ ልሕጺ እንጣጢዕን ተጠልፈ፡ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ ብምግፋሑ ኸምቲ መጋረጃታት ኣጸድ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
19 ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩውን ኣርባዕተ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ መሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ብሩር ነበረ፡ ጕልላቱን ኣዛንጉን ብብሩር ተለበጠ፡
20 ኵሉ ሽኻውልቲ ማሕደርን ናይቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ካብ ኣስራዚ ነበረ።
21 ጸብጻብ ናይቲ ማሕደር፡ ናይ ምስክር ማሕደር፡ ብትእዛዝ ሙሴ፡ ንኣልግሎት ሌዋውያን ብኢድ ኢታማር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እተጸብጸበ እዚ እዩ።
22 በሳልኤል፡ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።
23 ኦሆልያብ፡ ወዲ ኣሒሳማኽ ካብ ነገድ ዳን ከኣ፡ ምስኡ ነበረ፡ ንሱ ቐራጽን ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ።
24 እቲ ንዅሉ ዕዮ ቤተ መቕደስ ንመስርሒ ዝዀነ ዅሉ ወርቂ፡ እቲ እተዋህበ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዕስራን ትሽዓተን ታለንትን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሲቃልን ኰነ።
25 ካብቶም ናይ ኣኼባ እተቘጽሩ እተዋህበ ብሩር ድማ ብሲቃል መቕደስ ሚእቲ ታለንትን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ኰነ።
26 ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቶም በቲ ቝጽሪ ዝሐለፉ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ እሞ ካብ ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓደ ቤቃ፡ ንሱ ኸኣ ፈረቓ ሲቃል መቕደስ፡ በጽሔ።
27 እቲ ሚእቲ ታለንት ብሩር ድማ ንምፍሳስ ኣእጋር መቕደስን ኣእጋር መጋረጃን፡ ሚእቲ ታለንት ንሚእቲ እግሪ፡ ሓደ ታለንት ንሓደ እግሪ ዀነ።
28 በቲ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ድማ ነቲ ኣዕኑድ መሰቓቐሊ ገበረሉ፡ ንጕልላቱ ኸኣ ለበጦ፡ ኣዛንግውን ገበረሉ።
29 እቲ እተዋህበ ኣስራዚ ድማ ሰብዓ ታለንትን ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል እዩ።
30 ብእኡ ኣእጋር ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ኣስራዝን ናይ ኣስራዚ መጋረዲኡን ኵሉ ኣቓሑ መሰውእን፡
31ኣእጋር ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋር ኣፍ ደገ ኣጸድን ኵሉ ሽኻውልቲ ማሕደርን ኵሉ ሽኻውልቲ ኣጸድ ናይ ብዙርያኡን ገበረ።

1 ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባስ ገበሩሉ።
2 ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ።
3 ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ፡ ምስ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብናይ ፈላጥ ብልሓት ኪእለም፡ ከም ፈትሊ ገይሮም ቀደድዎ።
4 ንሓድሕዱ እተላገበ መናኩብ ገበሩሉ፡ ንሓድሕዱ ብኽልቲኡ ወሰኑ ተላገበ።
5 እቲ ኣብ ልዕሊ ኤፎድ ዝነበረ እሞ ዝዕጠቕ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ድማ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ምስኡ ብሓደ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተገብረ።
6 ኣዕናቝ እምኒ ብትትዖ ወርቂ እተኸበ፡ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ስም ደቂ እስራኤል እተቐርጾ ገበሩ።
7 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ኪኸውን፡ ኣብ መንኵብ ኤፎድ ገበሮ።
8 ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ፡ ከምቲ ስራሕ ኤፎድ ገይሩ ኻብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ።
9 ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድርብ ገበርዎ፡ ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ፡ ድርብ ነበረ።
10 ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ከኣ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፥ ሳርድዮንን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን።
11 ኣብ ካልኣይ መስርዕ ድማ፥ ሰመንጉንን ሰፊሮስን ኣልማዝን።
12 ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ከኣ፥ ህያክቶስን ኣካትን ኣሜቲስጦስን።
13 ኣብ ራብዓይ መስርዕ ድማ፥ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ኣብቲ መዛነቒኡ ብትትዖ ወርቂ ተኸቢቡ ነበረ።
14 እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት ደቂ እስራኤል፡ ከምቲ ስሞም ዓሰርተው ክልተ ነበረ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ተቐርጸ።
15 ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ሰንሰላታት ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ኣገባብራ ገመድ ብምጥዋይ ገበሩ።
16 ክልተ ትትዖ ወርቅን ክልተ ቐለቤት ወርቅን ገበሩ እሞ ነቲ ኽልተ ቀለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ።
17 ነቲ ኽልተ ትትዖ ወርቂ ድማ ኣብቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ወሳስን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ።
18 ኽልተ ኻልእ ኣምፊ ናይቲ ኽልተ ትትዖ ድማ ኣብቲ ኽልተ መዛነቒ ኣጋጢሞም፡ ኣብቲ ኽልተ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ገበርዎ።
19 ክልተ ቐለቤት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ሸነኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ገበርዎ።
20 ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገበሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ብታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ እቲ ዚጋጠመሉ ገበርዎ።
21 እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፈስስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
22 ነቲ ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ድማ ኩሉ ብሰማያዊ ኻብ እተኣልመ ዓለባ ገበሮ።
23 እቲ ኣብ ማእከል እቲ ቐምሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሩ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ቐምቀሞ።
24 ነቲ ቐምሽ ከኣ ኣብ ታሕታይ ዘፈሩ ኻብ ሰማያውን ሕብሪ ድምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሮማናት ገበሩሉ።
25 ቃጽላት ካብ ጽሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ፡ ነቲ ቓጽላት ኣብ መንጎ እቲ ሮማናት፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ዙርያኡ ኣብ መንጎ ሮማናት ገበርዎ።
26 ምእንቲ ኼገልግሉሉ፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ብዙርያኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
27 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ብማእለማ እተኣለመ ቐመውሽ ታሕትን፡
28 መጠምጠምያ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ጌጸኛ ቀበውዕ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ስሬታትውን ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ፡
29 እቲ ኻብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ብምጥላፍ እተዐየ ቕናት ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
30 ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ወርቂ ብሊቃ ገበሩሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ገይሮም፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ጽሕፈት ጸሐፉሉ።
31 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዝዞ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ኺእሰር፡ ኣብኡ ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩሉ።
32 ከምኡ ዅሉ ዕዮ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ተወድኤ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፡ ከምኡ ገበሩ።
33 ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳንን ኵሉ ኣቓሑኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ናብ ሙሴ ኣምጽእዎ።
34 እቲ መደረብታ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውልን እቲ መደረብታ ቘራብቲ ተሃስን እቲ ዚጋረድ መጋረጃን፡
35 ታቦት ምስክርን መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን፡
36 እቲ ሰደቓ ምስ ኵሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን፡
37 እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ምስ ቅልዒ ቐነዲሉ፡ እቲ ዚዳሎ ቕልዒ ቐነዲልን ኵሉ ኣቓሑኡን ዘይቲ ንቐዋሚ ቐንዴልን፡
38 መስውኢ ወርቅን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፡
39 መሰውኢ ኣስራዚ፡ እቲ መጋረዲኡ ኣስራዚ፡ መሰላታቱን ኵሉ ኣቓሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን፡
40 መጋረጃታት ኣጸድ፡ ኣዕኑዱን ኣእጋሩን መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድን፡ ኣግማዱን ሸኻውልቱን ኵሉ ኣቓሑ ንኣገልግሎት ማሕደር ንድንኳን ምርኻብ።
41 እቲ ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኣልባስ ኣገልግሎት፡ ቅዱሳት ኣልባስ ኣሮን፡ ካህንን ናይ ደቁ ኣልባስ ክህነትን፡
42 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ንዅሉ ዕዮ ኸምኡ ገበርዎ።
43 ሙሴ ድማ ንዅሉ ዕዮ ረኣዮ፡ እንሆ ኸኣ ገይሮምዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ። ሙሴ ድማ መረቖም።

1 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ትኸሎ።
3 ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ታቦት ጋርዶ።
4 ነቲ ሰደቓ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፡ እቲ ኣብኡ ዚነበር ኣቓሑ ስርዓሉ። ቀዋሚ ቐንዴል ኣእቲኻ ኸኣ፡ እቲ ቐነዲሉ ኣንብረሉ።
5 ነቲ መዕጠኒ መሰውኢ ወርቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ማሕደር ግበሮ።
6 ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ግበሮ።
7 ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮ፡ ማይ ከኣ ግበረሉ።
8 ነቲ ኣጸድ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ግበሮ።
9 ዘይቲ ቕብኣት ወሲድካ ኸኣ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅባእ፡ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን።
10 ንመሰውኢ ምሕራርን ንዅሉ ኣቓሑኡን ድማ ቅብኣዮ፡ ነቲ መሰውኢ ቐድሶ እሞ እቲ መስውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን።
11 ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከኣ ቅብኣዮን ቀድሶን።
12 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ ብማይ ሕጸቦም።
13 ንኣሮን እቲ ቅዱስ ኣልባስ ከዲንካ ድማ ካህነይ ኪኸውን፡ ቅብኣዮን ቀድሶን።
14 ንደቁ ኸኣ ኣቕሪብካ ቐመውሽ ታሕቲ ኽደኖም።
15 ነቦኦም ከም ዝቐባእካዮ፡ ንኣታቶም ድማ ካህናተይ ኪዀኑኒ ቕብኣዮም። እቲ ምቕባኦም ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ንኽህነት ዘለኣለም ይኹነሎም።
16 ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ።
17 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ በታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተተኽለ።
18 ሙሴ ኸኣ ነቲ ማሕደር ኣቘሞ፡ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ኣልዋሑ ደው ኣበሎ፡ ጋድማቱ ኣእተወ ኣዕኑዱውን ተኸለ።
19 ነቲ ድንኳን ከኣ ብልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ እቲ ድንኳን ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ።
20 ነቲ ምስክር ወሲዱ ኸኣ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ ነቲ ታቦት መሰላታት ገበረሉ፡ ነቲ መኽደን መተዕረቒ ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኣንበሮ።
21 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ማሕደር ኣእተዎ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ ነቲ ታቦት ምስክር ጋረደሉ።
22 ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ሰሜን ማሕደር፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ።
23 ነቲ ዚስራዕ እንጌራ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ።
24 ነቲ ቐዋሚ ቀንዴል ድማ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር ሰደቓ ብሸነኽ ደቡብ ማሕደር ኣንበሮ።
25 ነቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ፡
26 ነቲ መሰውኢ ወርቂ ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ።
27 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣብኡ ምኡዝ ዕጣን ዐጠነ።
28 ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ገበሮ።
29 ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኣንበሮ እሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ዚሐርር መስዋእቲ መስዋእቲ ብልዕን ኣብኡ ኣዕረገ።
30 ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ።
31 ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕጸቡ ነበሩ።
32 ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተዉን፡ ናብ መሰውኢ ምስ ቀረቡን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ይሕጸቡ ነበሩ።
33 ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ከኣ ኣጸድ ኣቘመ፡ ነቲ ኣፍ ደገ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ከኣ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ።
34 ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ።
35 እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዐረፈ፡ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣቱ ኣይከኣለን።
36-38 ብዅሉ እቲ ምጕዓዞም ደበና ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብዅሉ ምጕዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቕሉን ነበሩ።

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...