ጽማቝ ሓሳባት  ወደ ገላትያ ሰዎች (Galatians)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

ወደ ገላትያ ሰዎች (Galatians)

1 ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡
2 ኵላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ናብ ማሕበራት ገላትያ።
3-4 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
5 ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን ኣሜን።
6 ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ።
7 እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።
8 ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን።
9 ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ።
10 ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።
11-12 እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም አሎኹ።
13 ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከሎኹስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም አሎኹም።
14 ነቲ ሰርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ።
15 እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና
16-17 ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።
18 ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ።
19 ካብ ሃዋርያት ግና ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታና ሓደ ኻልእ እኳ ኣይርኤኹን።
20 እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ድማ፡ እንሆ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕሱን እየ።
21 ድሕርቲ ኸኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን መጻእኩ።
22-23 እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ አሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይሰምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ።
24 ብዛዕባይውን ንኣምላኽ ኣመስገና።

 

1 ካብኡ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ምስ በርናባስ ደየብኩ ንቲቶስውን ምሳይ ተማላእክዎ።
2 እቲ ምድያበይ ከኣ ብምኽንያት ሓደ ራእይ እዩ። ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም።
3 ግናኸ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ፡ ጽርኣዊ ኽነሱስ፡ ምግዛር ኣየድለዮን።
4 እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኺገብሩና፡ ተጐሐልዮም እተሓወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ።
5 እቲ ሓቂ ወንጌል ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሕራይ ንምባል ሓንሳእ እኳ ስግጥ ኣይበልናሎምን።
6 እቶም ርኡያት መሰልቲ፡ኣምላኽሲ ገጽ ሰብ ርእዩ ኣየድሉን እዩ እሞ፡ ከመይ ዝበሉ ኸም ዝዀኑ ግዶም የብለይን፡እቶም ርኡያት መሰልትስ ሓንቲ እኳ ኣይወሰኹለይን።
7-8 እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያነት ኣብ ግዙራት ዝዓየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዓየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂብኒ ምስ ረአዩ፡
9 እቶም ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ፡ ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን፡ እቲ እተዋህበኒ ጻጋ ምስ ፈለጡ፡ ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ግና ናብ ግዙራት፡ ምናዳ ንኣይን ንበርናባስን ናይ ሕብረት የማናይ ኢዶም ሃቡና።
10 ነቶም ድኻታት ጥራይ ክንዝክሮም ደለዩ፡ እዚውን ክገብሮ ኢለ ባዕለይ እጋደል ነይረ።
11 ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ።
12 ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ፡ ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ።
13 እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝንኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ።
14 ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም አሎኻ፡
15 ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ ኣይኰንናን።
16 ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና።
17 ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጥያት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን።
18 ነቲ ዘፍረስክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ ኤርኢ አሎኹ።
19 ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።
20 ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።
21 ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።

 

1 ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዓዘመኩም፡
2 ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ አሎኹ፥ ብግብሪ ሕጊዶ ወይስ ብምስማዕ እምነት ኢኹም መንፈስ እተቐበልኩም፡
3 ክሳዕ ክንዲዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ አሎኹም፡
4 ንኸንቱ እንተ ዀይኑስ፡ ክንድዚ ዚኣክል መከራዶ ንኸንቱ ጸገብኩም፡
5-6 ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምበኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፡
7 እምብኣርከ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ።
8 እቲ ጽሑፍውን፡ ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከም ዜጽድቖም፡ ቅድም ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ።
9 እምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒ፡ ኪባረኹ እዮም።
10 ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ፡ ርጉም ይኹን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።
11 ግናኸ እቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኰይኑ ኺነብር እዩ እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ።
12 ሕጊ ኻብ እምነት ኣይኰነን፡ ግናኸ እቲ ዚገብሮ ብህይወት ኪነብረሉ እዩ።
13-14 ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።
15 ኣሕዋተየ፡ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ አሎኹ፡ ነቲ ዝጸንዔ ኺዳን ሰብ እኳ ዜፍርሶ ወይስ ዚውስኸሉ የልቦን።
16 እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሃል፡ ንዘርእኻ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሃል፡ ነዝርእቲ፡ ኣይብልን እዩ።
17 እምብኣርሲ እዚ እብል አሎኹ፡ ነቲ ተስፋ ኽነቱ ኺገብሮ ኢሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ቀደም ዘጽንዖ ኺዳን እቲ ድሕሪኡ በርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝመጸ ሕጊ ኣየፍርሶን እዩ።
18 እቲ ርስቲ ኻብ ሕጊ እንተ ዚኸውንሲ፡ ደጊም ካብ ተስፋ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣምላኽ ግና ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሃቦ።
19 እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፡ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወስኸ፡ እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሐገገ።
20 ማእከላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ።
21 እምብኣርከ፡ እቲ ሕጊዶ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ መጻርርቱ እዩ፡ ያእ ኣይፋሉን። ህያው ኪገብር ዚከአሎ ሕጊ ተውሂቡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ጽድቂ ብሓቂ ኻብ ሕጊ ምዀነ ነይሩ።
22 እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሃብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓጸዎ።
23 እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዓጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሐሊና ነበርና።
24 ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።
25 እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን።
26-27 ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።
28 ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
29 ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።

 

1-2 ኣነ ግና እብል አሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቍልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዅሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን።
3 ከምእውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቝልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና።
4-5 ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።
6 ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ።
7 ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።
8 ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም።
9 ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧
10 መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም።
11 ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ።
12 ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም አሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን።
13 ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።
14 ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዓቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን።
15 ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኩም ኣውጺእኩም እኳ ምሃብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኣበይ ደኣ አሎ ብጽእናኹም፧
16 እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ፧
17 ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኸልክሉኹም ይደልዩ አለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰነን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ።
18 ግናኸ ምሳካትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ።
19 ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም አሎኹ።
20 ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ አሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ።
21 ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ እስኪ ንገሩኒ።
22 ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ።
23 ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ።
24 እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኺዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ።
25 ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል።
26 እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ።
27 ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዓርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡
28 ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና።
29 ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ።
30 እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ።
31 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን።

 

1 ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
2 እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
3 ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺገብሮ ኸም ዚግባኦ፡ ደጊመ እምስክር አሎኹ።
4 ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም።
5 ንሕናስ ብመንፈስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ አሎና።
6 ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከአሎን እዩ።
7 ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓገተኩም፧
8 እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን።
9 ሒደት ማይ ብሑቕ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ የብኵዖ እዩ።
10 ኣነ፡ ገለ ኻልእ ከይትሐስቡ፡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ተኣሚነ አሎኹ። እቲ ዜዕገርግረኩም ግና፡ ዝዀነ ይኹን፡ ፍርዱ ኺጸውር እዩ።
11 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ፡ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ።
12 ኣየ፡ እቶም ዜዕልዉኹም ኰታ እንተ ዚቝረጹ።
13 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽውዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ።
14 ማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።
15 ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።
16 ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
17 ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም።
18 ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን።
19 እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡
20 ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡
21 ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
22 እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።
23 ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።
24 እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።
25 ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ።
26 ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።

 

1 ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
2-3 ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።
4-5 ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።
6 እቲ ቓል ዚምሃር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ።
7 ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ።
8 እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።
9 እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
10 እምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።
11 ብኸመይ ዝበለ ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢደይ ከም ዝጸሐፍኩልኩም፡ ርኣዩ።
12 እቶም ንሰብ ብስጋ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብልኹም ዘለዉ።
13 ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ፡ ክትግዘሩ ይደልዩኹም አለዉ እምበር፡ እቶም ግዙራት እኳ ባዕላቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም።
14-15 ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰነስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሐቕ።
16 ኣብቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዚኸዱ ዘበሉን ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።
17 ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር አሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ።
18 ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...