ጽማቝ ሓሳባት  የሐዋርያት ሥራ (Acts)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

የሐዋርያት ሥራ (Acts)

1 ዎ ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ የሱስ ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመረሉ ዂሉ እቲ ቐዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ ኣሎኹ፡
2 ክሳዕ እታ ዝዐረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሐረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም፡
3 ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ።
4-5 ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም።
6 ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
7 ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።
8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡
9 እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ።
10 ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡
11 ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።
12 ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀል፡ ንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
13 ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ።
14 እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ።
15 በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዚኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ።
16 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ።
17 ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዐዲሉ ነበረ።
18 እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡
19-20 ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ።
21-22 ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።
23 ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርናባስ ዚብሃል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡
24-25 ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ።
26 ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ።

 

1 ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ።
2 ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ።
3 እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ።
4 ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።
5 ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ።
6 እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም።
7 ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧
8 ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡
9 ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡
10 ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡
11 ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።
12 ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ።
13 ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ።
14 ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ።
15 ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን።
16 እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡
17 በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም።
18 በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።
19 ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ።
20 እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም።
21 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ።
22 ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡
23 ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።
24 ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ።
25 ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ።
26-27 ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ።
28 መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ።
29 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና ኣሎ።
30 እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡
31 ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ።
32 ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና።
33 ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ።
34-35 ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን።
36 እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ።
37 ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም።
38-39 ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
40 ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን።
41 እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ።
42 ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።
43 ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ።
44 እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ።
45 መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።
46 ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ።
47 ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

 

 

1 ጴጥሮስን ዮሃንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ።
2 ካብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ።
3 ንሱ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዝደለዩ ምስ ረአዮም፡ ኪምጽዉቱሉ ለመኖም።
4 ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ፡ ናባና ጠምት፡ በሎ።
5 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም።
6 ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ።
7 ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዔ።
8 ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ።
9 ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ኪኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ።
10 እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዮምዎ፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባድን ብምግራምን መልኡ።
11 ኣብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሀል ናባታቶም ጐየየ።
12 ጴጥሮስ ግና ምስ ረአዮም፡ ነቶም ህዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ፡ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም።
13 ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንወዱ የሱስ ኣኽበሮ፡ ጲላጦስ ኪፍታሕ ምስ ፈረደሉ፡ ንስኻትኩም ንእኡ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎን ኣብ ቅድሚኡ ኸሓድኩምዎን።
14 እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ኪምሕረልኩም ለመንኩም።
15 ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስኦ፡ ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና።
16 ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሀበቶ።
17 ሕጂ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
18 ግናኸ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ።
19 እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡
20 ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።
21 ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ።
22 ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ።
23 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ፡ በለ።
24 ኲላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዂላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ።
25 ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳንን ኢኹም።
26 ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዂሉ ናባኻትኩም ለአኾ።

 

1 ንህዝቢ ኺነግሩ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽዎም፡
2 ንህዝቢ ስለ ዝመሀሩን፡ ትንሳኤ ኻብ ምውታት ብየሱስ ስለ ዝሰበኹን፡ ሐሪቖም፡
3 ኢዶም ዘርጊሖም ሐዝዎም፡ ምድሪ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።
4 ካብቶም ነቲ ቓሎም ዝሰምዕዎ ብዙሓት አመኑ። ቁጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ።
5-6 ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስኦም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዅሎምን ኣብ የሩሳሌም ተአከቡ።
7 ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገበርኩምዎ፡ ኢሎም ሐተትዎም።
8 ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ በሎም፡ ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ዓበይትን፡
9 ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሐወየሉ ኻብ እንምርመር፡
10 ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ።
11 እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ።
12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።
13 ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ አለለይዎም።
14 እቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ምስኦም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ፡ ዚዛረብዎ ሰአኑ።
15-16 ኻብ ዋዕላ ኼግልሱ ኣዘዝዎም እሞ፡ ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚነብሩ ዂላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፡ ኢሎም ተመኻኸሩ።
17 ኣብ ህዝቢ ምእንቲ እምብዛ ኸይውረ ግና፡ ደጊም ንሓደ ሰብ እኳ ኸይነግሩ ኣምሪርና ንግንሓዮም፡ በሉ።
18 ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩ፡ ኣዘዝዎም።
19-20 ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ በልዎም።
21-22 እቲ ናይ ምጥዓይ ተኣምራት እተገብረሉ ሰብኣይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ኲሎም በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ እሞ፡ ንሳቶምውን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ከም ዚቐጽዕዎም ምስ ሰአኑ፡ ኣፈራሪሆም ሐደግዎም።
23 ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ ተዛረብዎም።
24 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡
25 ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፡ ስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑ፡ ህዝብስ ከንቱ ሐሰቡ፧
26 ነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡
27-28 እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ።
29-30 ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም።
31 ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ።
32 እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን።
33 ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ።
34-35 ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።
36 ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ፡ ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ፡ ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡
37 ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።

 

1 ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ።
2 ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።
3 ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧
4 ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ።
5 ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ።
6 ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎ፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ።
7 ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ ኣተወት።
8 ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒ፡ ንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት።
9 ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ።
10 ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶም፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።
11 ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ።
12 ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሐቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ።
13 ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ።
14 ዝበለጸ እኳ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚኣምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ፡
15 ጴጥሮስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ።
16 ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዐዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዂላቶምውን ሐወዩ።
17 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂላቶም ኰይኑ፡ ንሳቶም ከኣ ሻራ ሰዱቃውያን እዮም፡ ቅንኣት መሊእዎም ተንስኡ።
18 ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሐዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢውን ኣእተውዎም።
19-20 መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ፡ ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ፡ በሎም።
21 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሕ ምድሪ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሀሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና መጹ፡ እቶም ዋዕላን ኲሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ድማ ኪእከቡ ጸውዑ። ኬምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ።
22-23 እቶም ገላዉ ግና ምስ መጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን፡ ተመሊሶም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዐጽዩ ብዂሉ ድማ ገጢሙ፡ እቶም ሐለዉቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን፡ ኢሎም ነገርዎም።
24 እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዚ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ኰን ይኸውን እዚ፧ ኢሎም፡ ብዛዕባኦም ዚብልዎ ሰኣኑ።
25 ሓደ መጺኡ ግና፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰባትሲ፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ፡ ኢሉ ነገሮም።
26 ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ምስቶም ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፡ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን።
27-28 ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም።
29 ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
30 ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ።
31 ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።
32 ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሀቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር ኣዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።
33 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሐረቑ ኪቐትልዎም ድማ ተማኸሩ።
34 ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ፡
35 በሎም ድማ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ።
36 ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስኤ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ፡ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ።
37 ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ።
38-39 ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ።
40 ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም።
41 ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ።
42 ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።

 

 

1 በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ።
2 ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን።
3 ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡
4 ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም።
5 እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ።
6 ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም።
7 ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ።
8 እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።
9 ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ።
10 ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን።
11 ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ሰባት ሐበሉ።
12 ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሐፍትን ኣነዐቡ፡ መጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡
13-14 እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ።
15 እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።

 

1 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ።
2 ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡
3 ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ።
4 ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ።
5 ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሀቦን፡ ውሉድ ዜብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ።
6 ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፡ ኪገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ኬጽብቡሉ እዮም፡
7 ነቶም ዚገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኺወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም።
8 ኪዳን ግዝረት ከኣ ሀቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም።
9 እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ።
10 ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሀወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሀቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ።
11 ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙሕ ጸበባን ኰነ። ኣቦታትና ድማ ዚምገብዎ ሰኣኑ።
12 ሽዑ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ምስ ሰምዔ፡ ነቦታትና ቐዳማይ ጊዜ ለኣኾም።
13 ኣብ ካልኣዮም ከኣ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣለለይዎ፡ ዓሌቱውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ።
14 ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዚዀኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም።
15 ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፡ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ።
16 ናብ ሰኬም ድማ ኣግዐዝዎም፡ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዐደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ቀበርዎ።
17-18 ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን
19 እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም።
20 በቲ ዘመን እቲ ሙሴ ተወልደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ፡ ሰለስተ ወርሒውን ኣብ ቤት ኣቦኡ ተመገበ።
21 ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዐለቶ፡ ወዳ ኪኸውን ከኣ ኣዕበየቶ።
22 ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ።
23 ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ኪበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ ኣተዎ።
24 ካባታቶም ሓደ ኸም እተዐመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ።
25 እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዐልዎን እምበር፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዚህቦም፡ ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ።
26 ንጽብሒቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ኪብኣሱ ኸለዉ፡ መጾም። ኬተዐርቖም ደልዩ ኸኣ፡ ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም፡ ከመይከ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧ በሎም።
27-28 እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ።
29 ሙሴ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ምድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፡ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ።
30 ኣርብዓ ዓመት ምስ መልኤ ድማ፡ ኣብ በረኻ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ተራእዮ።
31-32 ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዔ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኺጥምት ከኣ ኣይደፈረን።
33 እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳንእንካ ኣውጽእ።
34 መከራ እቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ኣጸቢቐ ርኤኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ኸውጽኦምውን ወረድኩ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ግብጺ ኽልእከካ፡ ንዓ፡ በሎ።
35 ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ።
36 ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም።
37 እቲ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ።
38 ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኺህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ።
39 ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ።
40 ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ።
41 በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ፡ ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም።
42-43 ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም።
44 እቲ ንሙሴ ዝነገሮ፡ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት።
45 ኣቦታትና ድማ ተቐቢሎምዋ፡ ብእያሱ ተመሪሖም ኪወርሱ ኸለዉ፡ ናብታ ኣምላኽ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ካብ ገጽ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝነበርዋ ሃገር ኣእተውዋ።
46 ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን ማሕደር ኪረክብ ከኣ ለመነ።
47 ቤት ዝሀነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ።
48-50 ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ።
51 ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ ኣሎኹም።
52 ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም።
53 ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሐሎኹምዎን።
54 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደደ፡ ኣስናኖም ከኣ ሐርቀሙሉ።
55 ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ፡
56 እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ።
57 ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሐቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ።
58 ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሀል ጐበዝ ኣንበሩ።
59 ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።
60 ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዐረፈ።

 

1 ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓጒ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።
2 እግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፡ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ።
3 ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
4 እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ።
5 ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም።
6-7 ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሐወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሐቢሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ።
8 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።
9 ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ።
10 ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ።
11 ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ።
12 ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ።
13 ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረኣየውን፡ ተገረመ።
14 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ሃዋርያት ከኣ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሰደዱሎም።
15-16 ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም።
17 ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።
18-19 ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም።
20 ጴጥሮስ ግና፡ ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሐሰብካ፡ ወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ፡
21 ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን።
22 እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፡ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሐደገልካ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኖ።
23 ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣሎኹ፡ በሎ።
24 ስምኦን ከኣ፡ ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ፡ ኢሉ መለሰ።
25 ንሳቶም ከኣ ቃል ጐይታ ምስ መስከሩን ምስ መሀሩን፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰበኹ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
26 መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፡ ተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
27 ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ።
28 ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ።
29 መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ፡ በሎ።
30 ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ፧ በሎ።
31 ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ።
32 እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን።
33 ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧
34 እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
35 ፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ጽሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ።
36 መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧ በለ።
37 ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
38 ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን።
39 ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን።
40 ፊልጶስ ድማ ኣብ ኣዛጦን ተረኽበ፡ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ፡ ናብ ኲሉ ኸተማታት እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።

 

1-2 ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ።
3 ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ።
4 ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ።
5 ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።
6 ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ።
7 እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ።
8 ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረኣየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።
9 ከይረኣየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።
10 ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዚብሀል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ።
11 ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡
12 ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ ኣትዩ፡ ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኼንብረሉ ብራእይ ርእዩ ኣሎ፡ በሎ።
13 ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዔ ኣሎኹ።
14 ኣብዚ ድማ ስምካ ንዚጽውዑ ዂላቶም ኪኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ፡ ኢሉ መለሰ።
15-16 ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ።
17 ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ።
18 ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ፡ ተንሲኡውን ተጠምቀ።
19 ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዔ። ሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ።
20 ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ።
21 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዚጽውዑ ዘበሉ ዜጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ድማ፡ ናብዚ ዝመጸን፧ በሉ።
22 ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።
23 ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ሐቢሮም ተማኸሩ።
24 ሳውል ግና ምኽሮም ፈለጠ። ምእንቲ ኪቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ።
25 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ።
26 ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ።
27 በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሀረን ነገሮም።
28 ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ።
29 ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ደለዩ።
30 እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።
31 ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት።
32 ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኺዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቅዱሳን ወረደ።
33 ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ፡ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ።
34 ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ።
35 ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዚነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ።
36 ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሀል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ።
37 ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሐሚማ ሞተት። ሐጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ።
38 ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖም፡ ክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾም፡ ከይደንጐየ ናባታቶም ኪመጽእ ለመንዎ።
39 ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ።
40 ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረአየቶውን፡ ኮፍ በለት።
41 ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ።
42 እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ።
43 ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ።

 

1 ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዚብሀል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ።
2 ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ።
3 ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስ፡ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ።
4 ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡
5 ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣምጽኣዮ።
6 ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ።
7 እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ፡
8 ነቲ ዝዀነ ዂሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም።
9 ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።
10 ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ።
11 ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረኣየ።
12 ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡
13 ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብል ድምጺ መጾ።
14 ጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
15 ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ መጾ።
16 እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ።
17 ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብልቡ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡
18 ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሐተቱ።
19-20 ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ።
21 ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፡ እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም።
22 ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ።
23 ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎ።
24 ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ።
25 ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ።
26 ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ።
27 ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡
28 ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ።
29 ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
30 ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዜብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡
31 ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡
32 ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቚ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኪነግረካ እዩ፡ በለኒ።
33 ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካ። ሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተዘዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ።
34-35 ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።
36 እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡
37 እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡
38 ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
39 ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ።
40 ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ኪገሀድ ከኣ ሀቦ፡
41 ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሐረየና፡ ንኣና፡ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን።
42 ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።
43 ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ።
44 ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ።
45-46 እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።
47 ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።
48 ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ።

 

 

1 ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ፡ ሰምዑ።
2-3 ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ግና፡ እቶም ካብ ግዝረት ዝዀኑ፡ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ፡ ኢሎም ተበኣስዎ።
4 ጴጥሮስ ድማ ተር ኣቢሉ ኺነግሮም ጀመረ፡ ከምዚ ኢሉ፡
5 ኣነ ኣብ ከተማ ዮጴ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ በርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ኽዳን ዚመስል ኣቕሓ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ፡ ብራእይ ርኤኹ፡ ናባይውን መጸ።
6 ናብኡ እናጠመትኩ እንተ ኣስተብሀልኩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ምድርን ኣራዊትን ለመም ዚብልን ኣዕዋፍ ሰማይን ርኤኹ።
7 ሽዑ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
8 ኣነ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስ ወይስ ዜፈንፍን ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ኣይከውንን እዩ፡ በልኩ።
9 ካልኣይ ጊዜ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መለሰለይ።
10 እዚ ሰለስተ ጊዜ ዀነ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ኲሉ ናብ ሰማይ ተሳሕበ።
11 እንሆ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዘሎኽዋ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ።
12 መንፈስ ከኣ ከይተዋላወልኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒ። እዞም ሹድሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፡ ኣብ ቤት እቲ ሰብኣይውን ኣቶና።
13-14 ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንዮጴ ልአኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኲላ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ፡ ኪብሎ ኸሎ ኸምዝረኣየ ነገረና።
15 ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶምውን ወረደ።
16 ሽዑ ነቲ፡ ዮሃንስ ብማይ ኣጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም፡ ዝብል ቓል ጐይታ ዘከርኩ።
17 እምብኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ማዕሬና ገይሩ ህያብ ካብ ዚህቦም፡ ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧
18 እዚ ምስ ሰምዑ ሃድኡ እሞ፡ እምብኣርስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ሂብዎም፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
19 እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሔ መከራ እተበተኑ ግና፡ ክሳዕ ፌንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ዞሩ፡ እቲ ቓል ከኣ ብዘይ ንኣይሁድ ንሓደ እኳ ኣይነግሩን ነበሩ።
20 ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄረኔን ነበሩ፡ እዚኣቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ወንጌል ጐይታና የሱስ እናሰበኹ፡ ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም።
21 ኢድ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ነበረት፡ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ።
22 እዚ ወረ እዚ ኸኣ ብዛዕባኦም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ተሰምዔ፡ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾክያ ለኣኽዎ።
23-24 ንሱ ምስ መጸ፡ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሐጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መኸሮም፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ።
25 በርናባስ ካብኡ ወጺኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ እሞ ምስ ረኸቦ፡ ናብ ኣንጾክያ ኣምጽኦ።
26 ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ማሕበር ዓመት ምሉእ ብሕብረት ነበሩ ንብዙሕ ህዝቢውን መሀሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን ተሰምዩ።
27 በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ።
28 ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ።
29 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ።
30 ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።

 

 

1 በቲ ዘመንቲ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሔ።
2 ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ።
3 እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ፡ ወሲኹ ንጴጥሮስ ሐዞ። ቅነ በዓል ቅጫ ኸኣ ነበረ።
4 ምስ ሐዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ድልዩ፡ በበርባዕተ ዀይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሀቦ።
5 ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት።
6 ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሐሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሞቚሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ።
7 እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሄ፡ ንጴጥሮስውን መሰንገሊኡ ተንክዩ፡ ቀልጢፍካ ተንስእ፡ ኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ።
8 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዐጠቕ፡ ኣሳእንካውን ኣእቱ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዐበኒ፡ በሎ።
9 ንሱውን ወጺኡ ሰዐቦ። ግናኸ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዐለን።
10 ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዚሕልዉ ምስ ሐለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፡ ባዕሉውን ተኸፍተሎም። ወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሐለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረ።
11 ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሐነኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።
12 ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዐለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ።
13 ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሀል ግዝእቲ ኽትሰምዕ መጸት።
14 ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን።
15 ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ።
16 ጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ።
17 ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም፡ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ።
18 ምስ ወግሔ፡ እቶም ዓቀይቲ፡ ንጴጥሮስሲ ኣንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ።
19 ሄሮድስ ድማ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቐትልዎም ኣዘዘ እሞ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኣብኣ ቐነየ።
20 ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ተጻሊእዎም ነበረ። ተሳማሚዖም ከኣ ናብኡ መጹ። ምግቢ ሃገሮም ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ሸለቃ ዝፋን ቤት ንጉስ ኣፍትዮም ዕርቂ ለመኑ።
21 ሄሮድስ በታ መዓልቲ ቘጸራ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ ኣብ ዙፋን ተቐመጡ ተዛረቦምውን።
22 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩ።
23 ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎ፡ ሐሲኹውን ሞተ።
24 ቃል ኣምላኽ ከኣ እናዐበየን እናተዘርግሔን ከደ።
25 በርናባስን ሳውልን ድማ ነቲ ረድኤት ኣብጺሖም፡ ካብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምሳታቶም ከኣ ነቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ ተማልእዎ።

 

1 ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዐበየ ማናይንን ሳውልን።
2 እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም።
3 ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።
4 ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ኬገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ።
6 ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ።
7 ንሱ ምስቲ ምስለኔ፡ ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ንሱውን ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም።
8 ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ኪመልሶ ደልዩ ተቓወሞም።
9 እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡
10 ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርፍን ኢኻ፧
11 ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፡ ክትዐውር፡ ክሳዕ ጊዜኡውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ኸኣ፡ ብኢዱ ሒዙ ዚመርሖ ደለየ።
12 ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ።
13 ድሕርዚ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ከዱ፡ ናብ ጴርጌ ናይ ጶምፍልያ ኸኣ መጹ። ዮሃንስ ከኣ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ።
14 ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሐሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጳሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዮም ተቐመጡ።
15 ንሕግን ነብያትን ምስ ኣንበቡ፡ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ገለ ንህዝቢ ዚንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም፡ ንገሩ፡ ኢሎም ለኣኹሎም።
16 ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡
17 ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሐረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም።
18 ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ በረኻ ኸም ኣቦ ዀይኑ ጾሮም።
19 ሾብዓተ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ከነኣን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።
20 ድሕርዚ ኸኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኽሳዕ ነብዪ ሳሙኤል መሳፍንቲ ሀቦም።
21 ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳኦል ወዲ ቂስ ሀቦም።
22 ምስ ሰዐሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን፡ ኣተንስኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ።
23 ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ ዘርኡ ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ኣተንስኤ፡
24 ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሃንስ ንዂሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ።
25 ዮሃንስ ከኣ ጒያኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ኣነ መን ምዃነይ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ደኣ፡ ኣነ ኣሳእኑ ኻብ ኣእጋሩ ንምውጻእ ዘይበቅዕ፡ ንሱ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፡ በለ።
26 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ።
27 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ።
28 ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ።
29 ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ።
30 ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።
31 ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ምስክሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ብዙሕ መዓልቲ ተራእዮም።
32-33 ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና።
34 ከም ብሓድሽ ናብ ጥፍኣት ከይምለስ ከኣ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ እሞ፡ እቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ፡ በለ።
35 ምእንትዚ ኣብ ካልእ መዝሙር ከኣ፡ ንቕዱስካ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ፡ ይብል እዩ።
36 ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዐረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረኣየ።
37 እቲ፡ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና፡ ንሱ ጥፍኣት ኣይረኣየን።
38-39 እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዚጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን።
40-41 ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዚብል ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ።
42 ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኺነግርዎም ለመንዎም።
43 እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጵሮሴሊታት ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዐቡ። ንሳቶም ኪነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ መዐድዎም።
44 በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት።
45 ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸሩን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ።
46-47 ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና።
48 ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ።
49 ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሔ።
50 ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዐብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዐሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም።
51 ንሳቶም ከኣ ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ ናብ ኢቆንዮም ከዱ።
52 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ።

 

1 ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዩም ኰነ፡ ሐቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዚኣምኑ፡ ተዛረቡ።
2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን።
3 ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበረ፡ ንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሀበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ።
4 ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕሉ፡ ገሊኦም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ።
5 ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ሓሳር ኬጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡
6 ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢኤን ናብ ዘላ ሃገርን ሀደሙ፡
7 ኣብኡውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።
8 ሓደ ሰብኣይ፡ ኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ልስጥራ ተቐሚጡ ነበረ።
9 ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረኣየ፡
10 ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ።
11 ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፡ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ።
12 ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ።
13 ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ።
14 ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡
15 እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና።
16 ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም።
17 ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን።
18 እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም።
19 ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾክያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሐባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ።
20 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ።
21 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ።
22 ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ።
23 ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።
24 ብጲስድያ ሐሊፎም ናብ ጳምፍልያ መጹ።
25 ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ወረዱ።
26 ካብኣ ኸኣ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ኣብኣ ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም ኣንጾክያ ብመርከብ ተሳገሩ።
27 ናብኣ ምስ በጽሑ፡ ንማሕበር ኣኪቦም፡ ኣምላኽ ዝገበረሎም ኲሉን ነህዛብ ከኣ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፡ ኣዘንተዉሎም።
28 ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።

 

 

1 ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሀርዎም።
2 ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ።
3 ሽዑ ንሳቶም ካብ ማሕበር ምስ ተፋነዉ፡ ምምላስ ኣህዛብ እናውረዩሎም፡ ብፊንቄን ብሰማርያን ሐለፉ። ንዂላቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም።
4 ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም።
5 ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ።
6 እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ።
7 ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሐረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
8 እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም።
9 ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።
10 እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧
11 ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን፡ ንኣምን ኣሎና።
12 ኲላቶም እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ በሉ፡ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላኽ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ኺነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ጽን ይብሉ ነበሩ።
13 ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ፡
14 ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ ኣሎ።
15-18 ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ።
19-21 ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ ኣለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና ኣሎ።
22 ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪሐርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዚበሀል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለኣኹ።
23 ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና።
24 ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡
25-26 ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና።
27 ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና።
28-29 ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።
30 ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ።
31 ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ።
32 ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን።
33 ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ።
34 ሲላስ ግና ኣብኡ ኺተርፍ ደለየ።
35 ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾክያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።
36 ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ።
37 ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ።
38 ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶ ከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን።
39 ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ።
40 ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ።
41 ነተን ማሕበር እናጽንዔውን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።

 

 

1 ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ።
2 ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ።
3 ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ።
4 ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም።
5 ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ፡ ቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።
6 ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ።
7 ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢታንያ ኪኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።
8 ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ።
9 ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ።
10 ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና።
11 ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡
12 ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና።
13 ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን።
14 ልድያ እትብሃል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ።
15 ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና።
16 ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና።
17 ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት።
18 ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ።
19 ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡
20 እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ፡
21 ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ ኣለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም።
22 እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ።
23 ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ።
24 ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ።
25 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ።
26 ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ።
27 እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ።
28 ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ።
29 ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም።
30 ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም።
31 ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ።
32 ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም።
33 በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።
34 ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ።
35 ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለኣኹ።
36 እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ።
37 ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም።
38 እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ።
39 መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም።
40 ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ።

1 ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት።
2 ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡
3 ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ።
4 ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ።
5 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዐብዋ። ንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ።
6 ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦም፡ እዞም ንዂሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም፡
7 ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ፡ የሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ።
8 ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎም።
9 ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሐደግዎም።
10 እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ።
11 ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።
12 ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ ኣመኑ።
13 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን ናብኣውን መጹ።
14 ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ።
15 እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዓብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ።
16 ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ።
17 ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ።
18 ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ።
19-20 ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ።
21 ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምን።
22 ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ።
23 እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣሎኹ።
24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ።
25 ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ።
26-28 ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።
29 እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ።
30-31 ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።
32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ።
33 ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ።
34 ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።

 

1 ድሕርዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ተበጊሱ ናብ ቈረንቶስ መጸ
2 ቅላውዴዎስ ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺለቁ ኣዘዘ እሞ፡ ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ ናባታቶምውን ተጸምበረ።
3 ዕዮኦም ሓደ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እናዐየየ ምሳታቶም ተቐመጠ፡ እቲ ዕዮኦም ድማ ምስፋይ ድንኳን ነበረ።
4 ሰንበት ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ።
5 ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ።
6 ንሳቶም ምስ ተኸራኸርዎን ምስ ጸረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡ ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ፡ በሎም።
7 ኻብኡ ወጺኡ ድማ፡ ናብቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዚብሃል፡ እግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብኣይ፡ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎቶም ዝነበረት፡ ኣተወ።
8 ክሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን።
9-10 ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።
11 ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ።
12-13 ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ንሰብ ይሐባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ።
14 ጳውሎስ ኣፉ ኪኸፍት ምስ ደለየ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ ዓመጽ ወይስ ገለ ኽፉእ ግብሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ሃዲኤ ኽሰምዓኩም ምተገብኤ ነይሩ።
15 ክርክር ብዛዕባ ቓልን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀነ ግና፡ ኣነ ኣብዚ ነገርዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይፈቱን እየ እሞ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ በሎም።
16 ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም።
17 ኲላቶም ከኣ ንሶስቴነስ መራሕ ቤት ጸሎት ሒዞም ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ። ጋልዮስ ግና ግዲ እዚ እኳ ኣይነበሮን።
18 ጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተ። መብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ።
19 ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ንኣታቶም ኣብኣ ሐደጎም። ንሱ ግና ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ።
20 ንሳቶም ብዙሕ መዓልቲ ምሳታቶም ኪጸንሕ እንተ ለመንዎ ኸኣ፡ ኣበዮም፡
21 በዚ ዚመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ የሩሳሌም ክውዕል ይግብኣኒ እዩ፡ ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኸኣ፡ ናባታትኩም ክምለስ እየ፡ ኢሉ ተሳናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ከደ።
22 ኣብ ቂሳርያ በጽሔ፡ ካብኣ ደዪቡ፡ ንማሕበር ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረደ።
23 ሓያሎ መዓልቲ ኣብኣ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ካብኣ ተበጊሱ ንዂላቶም ደቀ መዛሙርቲ እናጽንዔ፡ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን በብተራ ዞረ።
24 ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ።
25 መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡
26 ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።
27 ናብ ኣካይያ ኺሐልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኪቕበልዎ ጸሐፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም።
28 የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸ፡ ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡
2 ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ።
3 ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ።
4 ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም።
5 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ።
6 ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።
7 እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ነበሩ።
8 ኣብ ቤት ጸሎት ኣኣትዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምን፡ ሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ።
9 ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ።
10 እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዚሰምዕዎ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ።
11 ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡
12 መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።
13 ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም ኣሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ።
14 እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም።
15 እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስውን ኣይስሕቶን እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
16 እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም።
17 እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ።
18 ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተኣመኑን እናነገሩን መጹ።
19 ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ።
20 ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን።
21 እዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ።
22 ክልተ ኻብቶም ደገፍቱ፡ ጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፡ ንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ።
23 በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነ።
24 ድሜጥሮስ ዚብሀል ሓደ ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ዚሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ።
25 ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም።
26 እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወን፡ ትርእዩን ትሰምዑን ኣሎኹም።
27 እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቊጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ።
28 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ።
29 ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስን፡ እናሰሐቡ ሐቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩ።
30 ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ።
31 ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ።
32 እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዚበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
33 ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሐብዎ። እስክንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኺምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ።
34 ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶም ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል ጨደሩ።
35 እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧
36 እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሃድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ።
37 እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም።
38 ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ ኣለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎም፡ ነንሓድሕዶም ይካሰሱ።
39 እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቚረጽ።
40 በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዜብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ ኣሎና።
41 ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።

 

 

1 እቲ ታዕታዕ ምስ ዓረፈ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ መዓዶም፡ ተሳናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ኪኸይድ ነቐለ።
2 ብብዙሕ ቃል እናመዓዶም ከኣ፡ ነቲ ሃገር ዞይሩ ናብ ጽርኢ መጸ።
3 ኣብኣ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ፡ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ሐሲቡ ኸሎ፡ ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝገበሩሉ፡ ብመቄዶንያ ገይሩ ኺምለስ ምኽሩ ቘረጸ።
4 ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያን፡ ኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ።
5 እዚኣቶም ቅድሜና ሐሊፎም ኣብ ጥርኣስ ተጸበዩና።
6 ንሕና ግና ድሕሪ በዓላት ቅጫ ኻብ ፊልጲ ብመርከብ ነቒልና ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጥሮኣስ ናባታቶም በጻሕና፡ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና።
7 ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኺብገስ ሐሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ።
8 ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ።
9 ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶ። ጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሔ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐ፡ ሞይቱ ድማ ኣልዐልዎ።
10 ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ ኣላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም።
11 ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዔ፡ ክሳዕ ምድሪ ዚወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ።
12 ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ።
13 ንሕና ቕድም ኣብ መርከብ ኣቶና፡ ጳውሎስ ምድሪ ምድሪ ኪኸይድ ደልዩ፡ ንእኡ ኽንቅበሎ ሐሲብና፡ከምኡ ኣዚዙና ነበረ እሞ፡ንኣሶስ ኣቢልና ሐለፍና።
14 ኣብ ኣሶስ ምስ ተራኸብና፡ ተቐቢልናዮ ናብ ሜጢሌኔ መጻእና።
15 ንጽብሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ጌርና ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ መርከብ ኣብ ሳሞስ ኣቘምናያ፡ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ሚሊጦስ ኣቶና።
16 እንተ ዀይኑሉስ፡ ጳውሎስ ንበዓል ሓምሳ ኣብ የሩሳሌም ኬብዕል ተሀዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ምኽሩ ወድኤ።
17 ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም።
18 ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
19 ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡
20-21 ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።
22-23 ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ።
24 ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።
25 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩም፡ እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
26-27 ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ።
28 ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።
29 ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
30 ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።
31 ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ።
32 ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ።
33 ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን።
34 ንኣይን ነቶም ምሳይ ዚነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
35 ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
36 እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ተምበርኪኹ ምስ ኲሎም ሐቢሩ ጸለየ።
37 ኲላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ፡ ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ።
38 ካብ ኲሉ ኸኣ ስለቲ፡ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም፡ ዝበሎ ቃል ኣዝዮም ጐሃዩ። ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተበገስና፡ መገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ መጻእና፡ ንጽብሒቱ ኸኣ ንሮዶስ፡ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣቶና።
2 ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ብእኣ ጌርና ነቐልና።
3 ንቆጵሮስ ኣማዕዲና ርኢናያስ፡ ንጸጋምና ሐዲግናያ ናብ ሶርያ ኣበልና። ጽዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዚራገፍ ነበረ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና።
4 ደቀ መዛሙርቲ ረኺብናስ፡ ኣብኣ ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና እሞ፡ ንሳቶም ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ነገርዎ።
5 ኰነ ኸኣ፡ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፡ ክንከይድ ወጻእና። ኲላቶም ድማ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም ክሳዕ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዄንና ኸኣ ተምበርኪኽና ጸሌና።
6 ንሓድሕድና ደሓን ውዐሉ ተባሃሂልና ኸኣ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፡ ንሳቶምውን ነንገዛኦም ተመልሱ።
7 ንሕና ግና ብመርከብ ምኻድ ምስ ወዳእና፡ ካብ ጢሮስ ናብ ጵቶልማዮስ በጻሕና፡ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዐልና።
8 ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና።
9 ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ።
10 ሓያሎ መዓልቲ ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ።
11 ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ቅናት ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ተኣሰረ እሞ፡ ንዋና እዛ ቕናት እዚኣ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፡ ይብል መንፈስ ቅዱስ፡ በለ።
12 እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ።
13 ሽዑ ጳውሎስ፡ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
14 ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፡ ፍቓድ ጐይታ ይኹን፡ ኢልና ሀዳእና።
15 ድሕርዚ ቕነዚ ተዳሊና ናብ የሩሳሌም ደየብና።
16 ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ምሳና መጹ፡ ናብ ምናሶን፡ ብዓል ቆጵሮስ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር፡ ክንኣቱውን መርሑና።
17 ናብ የሩሳሌም ምስ መጻእና ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና።
18 ንጽብሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ በጽሔ፡ ኲላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ።
19 ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ ብኣገልግሎቱስ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ በብሓደ ተር ኣቢሉ ነገሮም።
20 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም።
21 ኣብ ማእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ካብ ሙሴ ኺርሕቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፡ ሰሚዖምልካ ኣለው።
22 ምምጻአካ ሰሚዖም ዂላቶም ከይተኣከቡ ኣይተርፉን እዮም፡ እሞኸ እንታይ ይገበር፧
23 እምብኣርከ እዚ እንብለካ ግበር፡ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ ኣለዉና፡
24 ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፡ ርእሶም ኪላጸዩውን ኣብ ክንድኦም ዕደየሎም። ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሐሎኻ ኸም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸንቱ ምዃኑን ኲላቶም ኪፈልጡ እዮም።
25 ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና ተማኺርና፡ ንጣኦታት እተሐርደን ንደምን ንሕኑቕን ንዝሙትን ኪሐርሙ እዚዝናዮም ኣሎና።
26 ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ሰባት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ምስ ነጽሄ፡ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ መዓልቲ ምንጽሆም ከም ዝመልኤ ኺነግር ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ።
27 እተን ሾብዓተ መዓልቲ ኺውድኣ ምስ ቀረባ ኸኣ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሐዝዎ እሞ፡
28 ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንዑ ደግፉና፡ እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ህዝቢ እዝን ምስ እዚ ሕጊ እዝን ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዘይላገብ ንዂሉ ሰብ ዚምህር ሰብኣይ እዚ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጽርኣውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ፡ ኢሎም ጨደሩ።
29 ቅድም ንጥራፊሞስ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ጳውሎስ ኣብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም ነበረ።
30 ብዘላ እታ ኸተማ ከኣ ኣዕገርገረት፡ ህዝቢ ድማ ተኣከበ፡ ንጳውሎስ ሒዞም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰሐብዎ፡ ብኡብኡውን ነቲ መዓጹ ሸጐርዎ።
31 ኪቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ የሩሳሌም ብዘላ ኸም እተነዐበት፡ ኣብቲ ሓለቓ ሽሕ ወረ በጽሔ።
32 ሽዑ ጭፍራ ምስ ሓላቑኦም ሒዙ ናባታቶም ጐየየ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ምዝባጡ ሐደጉ።
33 ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሐዞ፡ ብኽልተ መቕሕ ኪኣስርዎ ኸኣ ኣዘዘ፡ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ሐተተ።
34 እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ጭራሕ ምራሕ ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ኬብጽሕዎ ኣዘዘ።
35-36 ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሔ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሀስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ።
37 ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዘረባ ጽርኢዶ ትፈልጥ ኢኻ፧
38 ቅድሚ እዚ ወርሒ እዚ ኣናዒብካስ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻዊዶ ንስኻ ኣይኰንካን፧ በሎ።
39 ጳውሎስ ግና፡ ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ፡ ብዓል ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ስምይቲ ኸተማ እየ፡ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ።
40 ሽዑ ጳውሎስ፡ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ጸጥ ምስ በሉ ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡

 

 

1 ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ኣባኻትኩም ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ።
2 ብቛንቋ እብራይስጢ ኺዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዝዮም ጸጥ በሉ። ንሱ ኸኣ በለ፡
3 ኣነስ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እየ። ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሀርኩ ኸኣ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዐቤኹ። ከምዚ ዂላትኩም ሎም ዘሎኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ።
4 ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሀብኩ፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጐጒክዋ።
5 ምእንቲ ኪቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኲላቶም ዓበይቲ፡ ካባታቶም ነሕዋት ደብዳቤታት ተቐቢለ፡ ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይ እዮም።
6 ኰነ ድማ፡ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረብኩ፡ ኣጋ ቐትሪ ብድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብርሃለይ።
7 ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብለኒ ድምጺውን ሰማዕኩ።
8 ኣነ ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢለ መለስኩሉ። ንሱውን ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ ናዝሬታዊ እየ፡ በለኒ።
9 እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፡ ናይቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ድምጺ ግና ኣይሰምዑን።
10 ሽዑ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧ በልክዎ። ጐይታ ድማ፡ ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፡ እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺነግሩኻ እዮም፡ በለኒ።
11 ብምንጽብራቕ እቲ ብርሃን ምርኣይ እንተ ሰኣንኩ ድማ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተዉኒ።
12 ሃናንያ ዚብሀል፡ ከም ሕጊ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ኣብኣ ዚነብሩ ዂላቶም ኣይሁድ ጽቡቕ ምስክር ዝመስከሩሉ ሰብኣይ፡
13 ናባይ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ሳውል ሓወይ፡ ርኤ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ ርኤኹ እሞ ጠመትክዎ።
14-15 ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ።
16 ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ።
17 ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ፡ ኣብ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ፡
18 ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም፡ ስለዚ ኻብ የሩሳሌም ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ኪብለኒ ኸሎ ርኤኽዎ።
19 ኣነ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፡ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም።
20 ደም እስጢፋኖስ ምስክርካ ኬፍስሱ ኸለዉ ድማ፡ ባዕለይ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎውን ሐሎኹ፡ በልክዎ።
21 ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ፡ ኪድ፡ በለኒ።
22 ክሳዕ እዚ ቓልዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኣኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሐቕ፡ በሉ።
23 ንሳቶም እናጨደሩ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፡ ሓመድ ንላዕሊ እንተ በተኑ፡
24 እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ዚጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያቱ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ብመግረፍቲ ኺምርመር ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ኣዘዘ።
25 ኪገርፍዎ በጥ ምስ ኣበልዎ ኸኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፍዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧ በሎ።
26 እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ እዚ ሰብኣይ ሮማዊ እዩ እሞ፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻ ፍለጥ፡ ኢሉ ነገሮ።
27 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ መጺኡ፡ ኣታ፡ ሮማዊ ዲኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እወ፡ በለ።
28 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ ኣነ ንርእሰይ ሮማዊ ንምዃን ብዙሕ ገንዘብ ሂበ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ፡ በሎ።
29 እቶም ኪምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሄ።
30 ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ርግጽ ነገር ኪፈልጥ ደልዩ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ፡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ኪእከቡ ኣዘዞም፡ ንጳውሎስ ድማ ኣውሪዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቘሞ።

 

 

1 ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ዋዕላ ጠሚቱ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ብሰናይ ሕሊና እየ እተመላለስኩ፡ በሎም።
2 ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኣፉ ኺዘብጥዎ ኣዘዞም።
3 ጳውሎስ ከኣ ንእኡ፡ ኣታ ልቕሉቕ ጊድግዳ፡ ኣምላኽ ኪዘብጠካ እዩ። ንስኻ ኸምቲ ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኣሎኻ፡ እሞኸ ሕጊ ኣፍሪስካዶ ኺዘብጡኒ ትእዝዝ ኣሎኻ፧ በሎ።
4 እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣሎኻ፧ በልዎ።
5 ጳውሎስ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ንሹም ህዝብኻ ኣይትጽረፍ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን፡ በሎም።
6 ጳውሎስ ከኣ ገሊኦም ሰዱቃውያን ገሊኦምውን ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ፡ ወዲ ፈሪሳዊ እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤ ምዉታትን ይፍረደኒ ኣሎ፡ በለ።
7-8 ሰዱቃውያን፡ ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ መንፍስ ኰነ የልቦን፡ ይብሉ፡ ፈሪሳውያን ግና ነዚ ዂሉ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ዀነ፡ እቲ ኣኼባውን ተኻፋፈለ።
9 ብዙሕ ጫውጫው ድማ ኰነ፡ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ከኣ ሓያሎ ጸሓፍቲ፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን። መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡ ከመይ ደኣ ይኹን፧ ኢሎም ተንሲኦም ተኻራኸሩ።
10 ብዙሕ ባእሲ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንሳቶም ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ጭፍራ ወሪዶም ካብ ማእከሎም ዘሪፎም ናብ ሰፈር ኬብጽሕዎ ኣዘዞም።
11 ጐይታ ኸኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ፡ ጳውሎስ፡ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ ኣጆኻ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ።
12 ምድሪ ምስ ወግሔ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ሰሚሮም ተማሓሐሉ።
13 እቶም ነዚ ኺገብሩ እተማሓሐሉ ኸኣ ካብ ኣርብዓ ይበዝሑ ነበሩ።
14 ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ናብ ዓበይትን መጺኦም፡ ንሕና ንጳውሎስ ከይቀተልናዮ ገለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተማሓሒልና ኣሎና።
15 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም ነቲ ሓለቓ ሽሕ ናባኻትኩም ኬውጽኦ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸምዝደሌኹም ጌርኩም ንገርዎ፡ ንሕና ኸኣ ኣባኻትኩም ከይበጽሔ ኽንቀትሎ ተዐጢቕና ኣሎና፡ በልዎም።
16 ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ከኣ ነዚ ውዲቶም ሰሚዑ ኸደ እሞ ናብቲ ሰፈር ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ።
17 ጳውሎስ ድማ ካብቶም ሓላቑ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ ወድዚ ንሓለቓ ሽሕ ዚነግሮ ዘረባ ኣለዎ እሞ፡ ናብኡ ዀታ ኣእትወለይ፡ በሎ።
18 ንሱ ኸኣ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ፡ ጳውሎስ፡ እቲ እሱር፡ ናብኡ ጸዊዑ እዚ ወድዚ ዚነግረካ ዘረባ ኣልይዎስ፡ ናባኻ ክኣትወሉ ለሚኑኒ፡ በሎ።
19 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ብኢዱ ሒዙ ወሰዶ፡ ንበይኑ ኣግሊሱ ድማ፡ እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ።
20 ንሱ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕካ ኽትሓቶ ኸም ዝደሌኻ መሲልካ፡ ጽባሕ ናብ ዋዕላ ኺተውርደሎም ኪልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ።
21 ካባታቶም ካብ ኣርብዓ ሰብኣይ ዚበዝሑ ኣድብዮምሉ ኣለዉ፡ ንእኡ ኽሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ከኣ፡ ብርእሶም ምሒሎም ኣለዉ እሞ ሕጂ ተዐጢቖም ካባኻ ተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም፡ ኢሉ መለሰሉ።
22 ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ፡ እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ እሞ ሰደዶ።
23 ንኽልተ ሓላቑ ሚእቲ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ቂሳርያ ኪኸዱ፡ ክልተ ሚእቲ ዓቀይታይ፡ ሰብዓ ፈረሰኛ፡ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ፡ በሎም።
24 ንጳውሎስ ምእንቲ ኼስርርዎ መጽዓኛ ኺማልኡ ብደሓኑውን ኣብ ፌሊክስ፡ ኣብቲ ራእሲ፡ ኬብጽሕዎ ኣዘዘ።
25 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ደብዳበ ጸሐፈ፡
26 ቅላውዴዎስ ሊስያስ ንፌሊክስ፡ ነቲ ልኡል ራእሲ፡ ሰላም ይብሎ ኣሎ።
27 ነዚ ሰብኣይዚ ኣይሁድ ሒዞም ኪቐትልዎ ደልዮም ከለዉ፡ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣነ ምስ ጭፍራ መጺኤ ኣናገፍክዎ።
28 እቲ ዚኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸኣ፡ ናብ ዋዕላኦም ኣውረድክዎ።
29 ሽዑ ስለ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ረኸብኩ እምበር፡ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ክሲ ከቶ ኣይረኸብኩሉን።
30 ኣብዚ ሰብኣይዚ ውዲት ከም ዝገበሩ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፡ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ፡ ነቶም ከሰስቱውን ኣብ ቅድሜኻ ኪኸስዎ ኣዚዘዮም ኣሎኹ። ደሓን ኩን።
31 እቶም ዓቀይቲ ድማ፡ ከምቲ እተኣዘዝዎ፡ ንጳውሎስ ብለይቲ ወሲዶም፡ ኣብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ።
32 ንጽብሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ይኺዱ ሐደግዎም፡ ንሳቶም ግና ናብ ሰፈር ተመልሱ።
33 እቲኣቶም ኣብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ነቲ ራእሲ ሀብዎ። ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ።
34 ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ ድማ፡ ብዓል ኣየነይቲ ሃገር ምዃኑ ሐተቶ። ብዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡
35 ከሰስትኻ ምስ መጹ ሽዑ እሰምዓካ፡ በሎ። ኣብ ኣዳራሽ ሄሮድስ ኣእትዮም ኪሕልውዎ ኸኣ ኣዘዘ።

 

1 ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሓያሎ ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሀል ሓደ ኸኣል ዘረባን ወረደ። ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ራእሲ ኸሰስዎ።
2 ንሱ ምስ ተጸውዔ ድማ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸሶ ጀመረ፡
3 ዎ ልኡል ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ብምህዞኻ ድማ ነዚ ህዝቢዚ ብዙሕ ምሓሽ ከም ዝዀነሉ፡ ብዂሉ ኣብ ፍቕዳ ሃገር እናተኣመንና ነማስወካ ኣሎና።
4 ኣዝየ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣሎኹ።
5 ንሕና ነዚ ሰብኣይዚ መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ።
6 ቤተ መቕደስ ከኣ ኬርክስ ደልየ እሞ፡ ሐዝናዮ ኸም ሕግናውን ክንፈርዶ ደሌና።
7 ግነኸ ሊሰያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ መጺኡ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና ወሰዶ።
8 ንኸሰስቱ ድማ ናባኻ ኺሐልፉ ኣዘዘ። ብዛዕባዚ ንሕና እንኸሶ ዘሎና ዂሉ ኸኣ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኸተስተውዕሎ ይከኣለካ እዩ።
9 ኣይሁድውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እወ፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ፡ በሉ።
10 እቲ ራእሲ ኺዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ፡ ጳውሎስ መለሰ፡ ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ህዝብዚ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ንርእሰይ ብትብዓት እመጻረየላ ኣሎኹ።
11 ክሰግድ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ።
12 ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ ወይስ ኣብ ህዝቢ ባእሲ ኸልዕል፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኰነ ኣብ ከተማ ዀነ፡ ኣይረኸቡንን።
13 ሕጂውን በዚ ዚኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ብርክኻ ኪረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም።
14 ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ።
15 ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ።
16 ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኲሉ ጊዜ እጽዕር ኣሎኹ።
17 ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ከቕርብን መጻእኩ።
18 ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ህዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሄ ረኸቡኒ።
19 ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዚህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ኪኸሱኒ ምተገብኤ ነይሩ።
20-21 ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ።
22 ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ ሊስያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ምስ ወረደ፡ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሐደጎ።
23 ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ ማእሰርቲ ኼቕልለሉ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ እንተ ደለየውን፡ ንሓደ እኳ ኸይክልክል ኣዘዞ።
24 ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ኸኣ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ካብኡ ሰምዔ።
25 ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮ ግና፡ ፌሊክስ ሰምቢዱ፡ ሕጅስ መገድኻ ኺድ፡ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።
26 ምስናይዚ ድማ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ኪረክብ ትስፋ ይገብር ነበረ፡ ስለዚ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምጽኤ ይዛረቦ ነበረ።
27 ክልተ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ተሸመ። ፌሊክስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሐደጎ።

 

1 ፌስጦስ ነታ ሽመት ምስ ሐዛ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ።
2 ሊቃውንቲ ኻህናትን ሹማት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ነገር ኣልዓሉሉ።
3 ኣብ መገዲ ኣድብዮም ኪቐትልዎ ደልዮም፡ ናብ የሩሳሌም ኬደይበሎም ሞገስ ለመንዎ።
4 ፌስጦስ ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ይሕሎ ኸም ዘሎ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ናብኣ ንምውራድ ከም፡ ዝሐሰበ፡ መለሰሎም፡
5 እምብኣርሲ ኻባታትኩም እቶም ከኣልቲ ዘለዉ ምሳይ ይውረዱ እሞ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተሎ፡ ይኽሰስዎ፡ በሎም።
6 ምሳታቶም ኣስታት ሾሞንተ ወይስ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ። ንጽብሒቱውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ።
7 ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ፡ ኪረትዑሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸኣ ከሰስዎ።
8 ጳውሎስ ድማ፡ ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን፡ ኢሉ ተመጻረየ።
9 ፌስጦስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩስ ንጳውሎስ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትፈቱ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።
10 ጳውሎስ ግና፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኽፍረድ እየ ዚግብኣኒ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን፡
11 ዐሚጸ ናብ ሞት ዜብጽሕ ገይረ እንተ ዀይነ ግና፡ ከይመውት እኳ ኣይልምንን እየ። እዚ ዚኸሱኒ ብኸምኡ እንተ ዀይኑኸ፡ ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ ኣሎኹ፡ በለ።
12 ሽዑ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛሪቡ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ካብ በልካስ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
13 ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ኪበጽሕዎ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ።
14 ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉስ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሐደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡
15 ናብ የሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ።
16 ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኺመጻረ ጊዜ ኸይሀብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም።
17 እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዘዝኩ።
18-19 እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን።
20 ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ።
21 ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዚምርመር ምእንቲ ኺሕሎ፡ ይግባኝ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኺሕሎ ኣዘዝኩ።
22 ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ።
23 ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ።
24 ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ስብኣይ ደጊም ንሱ ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ።
25 ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ።
26 ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ።
27 ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ።

 

1 ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ብናይ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኺመጻረየላ መለሰ፡
2-3 ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኲሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ፡ ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ።
4 እምብኣርስኸ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ንብረተይ ኲላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም።
5 ኪምስክሩ እንተ ደለዩስ፡ ከምቲ ኻብ ኲሉ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም።
6 ሕጂ ድማ ስለቲ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሃቦም ትጽቢት ተስፋ ኺፍረደኒ ደው ኢለ እኔኹ፡
7 ነዚ ትጽቢት እዚ ኸኣ እቶም ዓሰርተው ክልተ ዓሌትና፡ ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገሉ፡ ናብኡ ኺበጽሑ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ።
8 ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ደኣ፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ ኣሎኹም፧
9 ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ግቡኤይ ምዃኑ እኳ ይመስለኒ ነይሩ።
10 እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም፡ ኪቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ።
11 ኣብ ኲሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጊዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር ኪጸርፉ ኤጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም፡ ኣዝየ ተሃንደድክዎም።
12 በዚ ነገርዚ ብትእዛዝ ሊቃውንቲ ኻህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፡
13 ዎ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ ከሎኹስ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኬንጸባርቕ ከሎ ርኤኽዎ።
14 ኲላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንኣኻ ይገደካ፡ ኢሉ ዚዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
15 ኣነ ድማ፡ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ።
16 ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ ኣሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ።
17 ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡
18 ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ ኣሎኹ።
19-20 ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን።
21 ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሐዙኒ ኪቐትሉኒውን ሃቀኑ።
22-23 ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ ኣሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን።
24 ከምዚ ኢሉ ኸመጻረ ኸሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ ኣታ ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ፡ እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ ኣሎ፡ በሎ።
25 ጳውሎስ ከኣ፡ ዎ ልኡል ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን።
26 እዚ ኣነ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ፡ ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ነገርዚ ገለ ኸም ዘይጠፍኦ፡ ተረዲኤዮ ኣሎኹ።
27 ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ፡ በለ።
28 ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ፡ በሎ።
29 ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ብቕሩብ እንተ ብብዙሕ፡ ብዘይ እዚ መቚሔይሲ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ፡ ሎሚ ንዚሰምዑኒ ዂላቶም እምበር፡ ንኣኻ ጥራይ ኣይኰንኩን ካብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ፡ በለ።
30 ሽዑ እቲ ንጉስን እቲ ራእስን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተንስኡ።
31 ካብኡ ምስ ኣግለሱ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ የብሉን፡ ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ።
32 ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢሉ እንተ ዘይከውንሲ፡ ኪፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ፡ በሎ።

 

 

1 ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተቘርጸ ኸኣ፡ ንጳውሎስን ንሓያሎ ኻልኦት እሱራትን ናብቲ ዩልዮስ ዝስሙ፡ ካብ ሰራዊት ቄሳር ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኣሕለፍዎም።
2 ንሃገር እስያ ብትኸይድ መርከብ ኣድራሚቲስ ጌርና ተበገስና፡ ኣርስጠርኮስ፡ ብዓል መቄዶንያ ኻብ ተሰሎንቄ፡ ምሳና ነበረ።
3 ንጽብሒቱ ኣብ ሲዶና በጻሕና። ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ብጽቡቕ ገጽ ረኣዮ፡ ናብ ፈተውቱ ኺበጽሕ እሞ ካባታቶም ረዲኤት ኪረክብውን ፈቐደሉ።
4 ካብኣ ነቒልና ኸኣ፡ ንፋስ ብቕድሜና ስለ ዝዀነ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ሐለፍና።
5 ጸግዓ ጸግዒ ባሕሪ ቂልቅያን ጳምፊልያን ሐሊፍና፡ ናብ ሚራ ምድሪ ሉቅያ ኣቶና።
6 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ እስክንድርያ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣእተወና።
7 ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና፡ ብጭንቂ ድማ ኣብ መንጽር ክኒዶስ በጻሕና። ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ እንተ ኸልከለና ኸኣ፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ብመንጽር ሰልሞና ሐለፍና።
8 ብተጋድሎ ብጎቦኣ ምስ ሐለፍና ኸኣ፡ ጽቡቕ ወደብ ናብ እትብሃል ስፍራ መጻእና፡ ካብኣ ንኸተማ ላስያ ቐረባ እዩ።
9-10 በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዐዶም።
11 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይኣምን ነበረ።
12 እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕሞም ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዚበዝሑ ኻብኡ ኺነቕሉ እሞ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ናብ ፍንቄ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሊባን ናብ ባሕሪ ገጹ ዚርኢ ናይ ቅሬጥስ ወደብ ኣትዮም ኪኸርሙ መኸሩ።
13 ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎምሲ፡ መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሐለፉ።
14 ሽዑ ኸኣ ብዙሕ ከይደንጐየ፡ ኤውሮክሊዶን ዚብሀል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ።
15 ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ስዲ ትኺድ ሐደግናያ።
16 ኣብ ጸግዒ ከላውዳ እትብሃል ደሴት ምስ በጻሕና ድማ፡ ብተጋድሎ ንጃልባ እታ መርከብ ከነድሕን ከኣልና።
17 ስሒቦም ምስ ኣውጽእዋ፡ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩ። ኣብ ድበት ሑጻ ኸይወድቁ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሐደግዋ።
18 ንጽብሒቱ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ ኸኣ፡ ካብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ደርበዩ።
19 ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ኣቓሑ መርከብ በእዳዎም ደርበይዎ።
20 ብዙሕ መዓልቲ ጸሓይ ኰነ ኸዋኽብቲ ዀነ ኸይርኤና፡ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ፡ ኲሉ ተስፋ ምድሓን ነፍስና ፈጺምና ቐበጽና።
21 ብዘይ ምግቢ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ሰብ፡ እቲ ኻብ ቅሬጥስ ከይነቐልኩም ሰሚዕኩምኒ እንተ ትዀኑስ ግዲ፡ እዚ ጸበባን ጒድኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ።
22 ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትሃድኡ እልምነኩም ኣሎኹ።
23-24 በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ።
25 ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም።
26 ግናኸ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና።
27 ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ኽንመላለስ ከሎና፡ እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም።
28 ሽዑ መለክዒ ገይሮም እንተ ኣቘሩ፡ ዕስራ ብቚመት ሰብ ረኸቡ። ካብኡ ቕሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ካልኣይ ከኣ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ ዓሰርተው ሓሙሽተ ብቚመት ሰብ ረኸቡ።
29 ከውሒ ኣብ ዘሎዎ ኸይንወድቕ ፈሪሆም፡ ብሸነኽ ድሕሪት ነታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ። መዓልቲ ኪኸውን ከኣ ተመነዩ።
30 እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ድማ ካብታ መርከብ ኪሃድሙ ደልዮምሲ፡ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዜውርዱ መሲሎም፡ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ።
31 ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ዓቀይትን፡ እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ፡ ንስኻትኩም ኣይትድሕኑን ኢኹም፡ በሎም።
32 ሽዑ እቶም ዓቀይቲ ማእሰር እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሐደግዋ።
33 ጳውሎስ ከኣ፡ እናተጸቤኹም ገለ ኸይጠዓምኩም ጾምኩም ሎሚ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ኢሉ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ንዂላቶም ለመኖም፡
34 እምብኣርከ እዚ ንምድሓንኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጒሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትበልዑ እልምነኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
35 እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ፡ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ድማ ቈሪሱ ኺበልዕ ጀመረ።
36 ኲላቶም ከኣ ሃድኡ እንጌራውን በልዑ።
37 ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዂላትና ኸኣ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሹድሽተን ነፍሲ ኢና።
38 በሊዖም ምስ ጸገቡ ኸኣ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ።
39 ምስ ወግሔ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ ኣየለለይዎን። ኣማዕድዮም ግና፡ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኼብጽሕዋ ደለዩ።
40 ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ፡ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ድሕሪኡ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፡ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ።
41 ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ልዕል ኣበልዋ ብወገን ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኰነት፡ ብወገን ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት።
42 እቶም ዓቀይቲ ድማ ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሓምቢሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ተማኸሩ።
43 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ ነቲ ምኽሮም ኣይሰመሮን። ነቶም ሓሚሶም ዚኽእሉ ድማ ቅድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣዘዘ፡
44 ነቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኦም ብሉሕ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ይውጽኡ፡ በለ። በዚ ኸምዚ ዂላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።

 

1 ምስ ደሐንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሃል ፈለጥና።
2 እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቚርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና።
3 ጳውሎስ ግዳ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኼእቱ ኸሎ፡ ተመን፡ ብምኽንያት እቲ ረስኒ ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ነኺሱ ጠልጠል በለ።
4 እቶም ደቂ ዓዲ ኸኣ እቲ ኣራዊት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፡ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሐነስ፡ እቲ ሕነ ዚፈዲ ኣምላኽ ብህይወት ኪነብር ኣይሐደጎን፡ ተባሃሀሉ።
5 ንሱ ግና ነቲ ኣራዊት ናብ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለውን ኣይጐድኦን።
6 ንሳቶም ከኣ፡ ኪሐብጥ ወይስ ሕጂሕጂ ሞይቱ ኺወድቕ እዩ፡ ኢሎም ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ምስ ተጸበዩ እሞ እኳ ኸም ዘይጐድኦ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ እዝስ ኣምላኽ እዩ፡ ኢሎም ቃሎም ለወጡ።
7 ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ ኸኣ ናይ ጱብልዮስ ዚብሀል ኣውራ እታ ደሴት ሓያሎ ግርሁ ነበራ። ንሱ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣአንገደና።
8 ኰነ ድማ፡ ኣቦ ጱብልዮስ ብዓሶን ብውጽኣት ከብድን ሐሚሙ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኣትዩ ጸለየሉ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ።
9 እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ካልኦት ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መመጺኦም ተፈወሱ።
10 ብብዙሕ ክብሪ ኸኣ ኣኽበሩና፡ ክንብገስ ከሎናውን፡ ዜድልየና ዘበለ ኣስነቑና።
11 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፡ ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስክንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና።
12 ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና።
13 ካብኣ ሐሊፍና ኸኣ፡ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ፡ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና።
14 ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና።
15 እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ኪቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሃድኤ።
16 ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ።
17 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ምስ ህዝብና ወይስ ምስ ስርዓት ኣቦታት ዚብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ፡ ካብ የሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ።
18 ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደለዩ።
19 ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና፡ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዜብለይ ክነሰይሲ፡ ጨኒቑኒ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ በልኩ።
20 እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቚሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም።
21 ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን።
22 ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ፡ ንፈልጥ ኢና እሞ፡ እቲ ንስኻ እትሐስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ።
23 መዓልቲ ድማ ቈጸሩሉ፡ ብዙሓት ኰይኖም ከኣ ናብታ ሰፊርዋ ዘሎ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድኤ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም።
24 ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፡ ገሊኦም ግና ኣበይዎ።
25 ንሓድሕዶም ምልጋብ ስኢኖም፡ ተፋላለዩ፡ ጳውሎስ እዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ምስ ተዛረበ፡ መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም፡
26-27 ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዓመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።
28 እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።
29 እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙሕ እናተኻራኸሩ ወጹ።
30 ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ።
31 ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።

 

 

 

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...