ጽማቝ ሓሳባት  የማቴዎስ ወንጌል (Matthew)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

የማቴዎስ ወንጌል (Matthew)

1 መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም።
2 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፡
3 ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡
4 ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰለሞን ወለደ፡
5 ሰለሙን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ።
6 እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ።
7 ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ። ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡
8 ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡
9 ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡
10 ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡
11 እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ።
12 ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡
13 ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፡ ኣብድዩድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኢልያቄም ንኣዛር ወለደ፡
14 ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፡
15 ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡
16 ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወለደ።
17 እምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ።
18 ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።
19 ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን።
20 ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ።
21 ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ።
22 እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡
23 እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ።
24 ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ።
25 በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።

1-2 የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተ-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ።
3 ንጉስ ሄሮዶስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ የሩሳሌምውን ምስኡ።
4 ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧ ኢሉ ሐተቶም።
5-6 ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ።
7 ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ።
8 ናብ ቤት-ልሄም ድማ ሰደዶም፡ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ፡ ኣፍሉጡኒ በሎም።
9 ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም።
10 ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዮም ብዙሕ ሓጎስ ተሐጎሱ።
11 ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸተ ሀብዎ።
12 ናብ ሄሮዶስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።
13 ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ።
14 ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ።
15 እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮዶስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሔ።
16 ሽዑ ሄሮዶስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ።
17-18 ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተበሀለ ተፈጸመ።
19 ሄሮዶስ ምስ ሞተ፡ እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡
20 እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ።
21 ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ።
22 ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮዶስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ግና፡ ናብኡ ምኻድ ፈርሄ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ።
23 እቲ ብነብያት፡ ናዝሬታዊ ኺበሀል፡ እተበሀለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።

 

1-2 በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ።
3 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጎደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።
4 ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ።
5 ሽዑ የሩሳሌምን ኵላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ መጸት።
6 ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
7 ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረአየ ግና በሎም፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም፧
8 እምበርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ።
9 ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ አሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከአሎ፡ እብለኩም አሎኹ።
10 ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ፡ እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
11 ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።
12 ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ ኣለዎ፡ ስርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።
13 ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ፡
14 ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ።
15 የሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ።
16 የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ።
17 እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።

 

1 ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።
2 ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ።
3 እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ።
4 የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።
5 ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ።
6 እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ።
7 የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ።
8 ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዮ እሞ፡
9 ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ።
10 ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ።
11 ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።
12 የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ።
13 ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ።
14 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡
15 ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡
16 ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም።
17 የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግስተ ሰማይት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።
18 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስን ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ።
19 የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም።
20 ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ።
21 ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም።
22 ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ።
23 የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ኩሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።
24 ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
25 ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።

 

1 ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ።
2 ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡
3 ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
4 ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
5 ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
6 ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
7 መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
8 ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
9 ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
10 ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
11 እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።
12 ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።
13 ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን።
14 ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ።
15 መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም።
16 ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
17 ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም።
18 ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ።
19 እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምእውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ።
20 ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ።
21 ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም።
22 ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ኹሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
23 እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሐሰብካ፡
24 ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።
25 ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ።
26 እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ።
27 ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም።
28 ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
29 የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ።
30 የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ።
31 ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ።
32 ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
33 ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።
34 ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡
35 ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ።
36 ካብ ጸጉሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሐል።
37 ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
38 ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።
39 ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።
40 ነቲ ኪማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ።
41 ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሓበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።
42 ንዝለመነካ ሃቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ።
43 ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።
44-45 ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።
46 ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧
47 ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧
48 እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።

 

1 ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።
2 እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንኣዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባብያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እበለኩም አሎኹ።
3-4 ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።
5 ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
6 ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
7 ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።
8 እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም።
9 ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።
10 መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
11 ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።
12 ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና።
13 ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ እሜን።
14 ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ።
15 ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።
16 ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
17-18 ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
19-21 መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
22 ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን።
23 ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።
24 ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሐደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሐደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሐደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሐደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።
25 ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ።
26 ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧
27 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧
28 ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቝ፧ ንዕምባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ።
29 ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ኹሉ ኽብሩ ኸም ሐደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸደነ፡ እብለኩም አሎኹ።
30 ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧
31 እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ።
32 ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።
33 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
34 ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

 

1-2 ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
3 ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧
4 ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፧ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ።
5 ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፡፡ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።
6 እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም።
7-8 ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።
9-10 ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧
11 እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቅ ዘይህቦም።
12 እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
13-14 እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።
15 ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።
16 ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾኽዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧
17 ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ።
18 ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ።
19 ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
20 እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።
21 ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን።
22 በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም።
23 ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።
24 ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ኹሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል።
25 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን።
26 ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ኹሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል።
27 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።
28-29 ኰነ ድማ፡ የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።

 

 

1 ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ።
2 እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ።
3 ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ።
4 የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህናት ኣርኢ፡ ንኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ።
5-6 ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ፡ ጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖ።
7 የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ።
8 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ ኣየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ።
9 ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ።
10 የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
11 ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።
12 ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
13 የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ።
14 የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ።
15 ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ።
16-17 ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።
18 የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ።
19 ሐደ ጸሐፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኹሉ ኽስዕበካ፡ በሎ።
20 የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ።
21 ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ።
22 የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ።
23 ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ።
24 እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።
25 ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ።
26 ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።
27 እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ።
28 ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኽልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ ኣቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ።
29 እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ።
30 ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ።
31 እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጻኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ።
32 ንሱ ኸኣ፥ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኵምም በለ።
33 እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ኹሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዋምን ከኣ ኣውረዩ።
34 እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።

 

 

1 ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ።
2 እንሆ ኸኣ፡ መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደየ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ።
3 እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ አሎ፡ በሉ።
4 የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ አሎኹም፧
5 ኣየናይ ይቐልል፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧
6 ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጕዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ።
7 ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ።
8 እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ።
9 የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ።
10 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።
11 ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም።
12 የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን።
13 ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም።
14 ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ።
15 የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ኽሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ።
16 ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን።
17 ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ።
18 እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጾ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ።
19 የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ።
20-21 እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት።
22 የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት።
23 የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረአየ፡
24 እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ።
25 እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሐዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስኤት።
26 ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ወሪኡ ወጸ።
27 የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ሰዐብዎ።
28 ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒዶ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ።
29 ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ።
30 ኣዒንቶምውን ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ ሐደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም።
31 ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኵላ እታ ሃገር ኣውረዩ።
32 ንሳቶም ምስ ወጹ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሐደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ።
33 እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ።
34 ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም አሎ፡ በሉ።
35 የሱስ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣብ ኵሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።
36 ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም።
37 ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።
38 ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።

 

 

1 ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም።
2 ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ።
3 ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡
4 ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን።
5-6 የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ።
7 ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ።
8 ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሃቡ።
9 ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ዀነ፡አብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ።
10 ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ።
11 ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም፡ ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ።
12 ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ።
13 እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።
14 እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ።
15 ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
16 እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።
17-18 ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ።
19 ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ።
20 መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ።
21 ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም።
22 ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ።
23 ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
24 ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን።
25 ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ።
26 እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።
27 ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።
28 ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይትፍርህዎም።
29 ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን።
30 ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን።
31 እምበኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።
32 ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ።
33 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ድማ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።
34 ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን።
35 ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡
36 ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም።
37 እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ።
38 መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን።
39 እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ።
40 ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበሎ።
41 ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።
42 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

 

1 ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ።
2 ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡
3 እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ።
4 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፡
5 ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።
6 ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ።
7 ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፡ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፡
8 እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ።
9 ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
10 እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ።
11 ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።
12 ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥመቕ ክሳብ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ።
13 ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ።
14 ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ።
15 እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
16 ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል።
17 እሞ ዚብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኼኹምን።
18 ዮሃንስ እንተ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ።
19 ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።
20 ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነሰሐ ኺነቕፈን ጀመረ፡
21 ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገበረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓሙዅስቲ ተነጺፈን ምተነስሓ ነይረን።
22 ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልል፡ እብለክን አሎኹ።
23 ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገበረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ።
24 ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኹም አሎኹ።
25 በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ አሎኹ።
26 እወ፡ ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ።
27 ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን: ዚፈልጦ የልቦን።
28 ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።
29-30 ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

 

1 በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ።
2 ፈሪሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ፡ በልዎ።
3 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡
4 ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧
5 ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧
6 ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም አሎኹ።
7 ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም።
8 እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ።
9 ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ።
10 እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
11 በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧
12 ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምበርሲ፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ።
13 ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኸኣ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየት፡ ከምታ ኻልኣይቲውን ኰነት።
14 ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ።
15 የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎ፡ ንዅሎምውን ኣሕወዮም።
16 ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም።
17 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡
18 እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ክሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽአሎም እዩ።
19 ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባብይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ።
20 ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።
21 ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።
22 ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕዉር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ።
23 እቶም ህዝቢ ዅሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ።
24 ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ።
25 የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ።
26 ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፋላለየ፡ እታ መንግስቲ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧
27 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም።
28 ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት።
29 ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ።
30 ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።
31 ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን።
32 ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
33 ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ።
34 ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧
35 እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።
36-37 ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።
38 ሽዑ ሓይሎ ኻብ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና ኢሎም መለሱ።
39 ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን።
40 ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።
41 ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ እሎ።
42 ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ።
43 ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ።
44 ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ።
45 ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።
46 ገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ።
47 ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ በሎ።
48 ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ።
49-50 ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።

 

 

 

1 በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ።
2 ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ።
3 ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።
4 ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ።
5 ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሐመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቝ ሐመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ።
6 ጸሐይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸ።
7 ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾኽ ድማ ዐበየ ሐነቖውን።
8 ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቕ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ።
9 እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
10 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎ።
11 መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻኣትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።
12 ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም።
13 እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ።
14-15 ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።
16-17 ብዙሓት ነብያት ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።
18 እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ።
19 ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ።
20 እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ።
21 ንሽዑ ጥራይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ዀነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ።
22 እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ።
23 እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ይእቶ።
24 ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል።
25 እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።
26 ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ።
27 ነቲ ብዓል ቤት ግዚኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ።
28 ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ።
29 ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ።
30 ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ።
31 ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።
32 ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን።
33 ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።
34-35 የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነብረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።
36 ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልና፡ በልዎ።
37 መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ።
38 እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም።
39 እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም።
40 ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
41 ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡
42 ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
43 ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
44 ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ
45 ድማ መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል።
46 ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ።
47 ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።
48 ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ።
49 ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኸቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡
50 ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
51 ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ በልዎ፡
52 ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም።
53 ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤ፡ ካብኣ ነቐለ።
54-56 ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰኑን፡ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም።
57 ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም።
58 ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

 

1 በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ የሱስ ሰምዔ።
2 ንገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ አሎ፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በሎም።
3-4 ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።
5 ኪቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም።
6 ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ።
7 ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ።
8 ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ።
9 እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ።
10 ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰሪ ኣሰየፈ።
11 እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ።
12 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ።
13 የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ካብኣ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ።
14 የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም፡ ሕሙማቶምውን ኣሕወየ።
15 ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰብ ናብ ዓድታት እትዮም፡ ንርእሶም እንጌራ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ።
16 የሱስ ግና፡ ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም።
17 ንሳቶም ከኣ፡ ብዘይ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገለ የብልናን፡ በልዎ።
18 ንሱ ግና፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ በለ።
19 እቶም ሰብውን ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ በለ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም።
20 ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ።
21 እቶም ዝበልዑ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ።
22 ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎ፡ ብግዲ በሎም።
23 ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱ፡ ኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ።
24 እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚኣ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት።
25 የሱሱ ባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም።
26 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱ፡ ፈሪሆም ከኣ ጨርሑ።
27 ግናኸ የሱስ ብኡብኡ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
28 ጴጥሮስ መሊሱ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ናባኻ ኸመጽእ አዝዘኒ፡ በሎ።
29 ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ።
30 ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሄ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ።
31 ሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጕዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ።
32 ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ እቲ ንፋስ ዝግ በለ።
33 እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣ፡ ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ ሰገዱሉ።
34 ተሳጊሮም ከኣ ናብ ምድሪ ጌንሳሪጥ መጹ።
35 እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፡ ኣብ ጐደቦኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ለኣኹ፡ ኵሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ።
36 ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ሐወየ።

1 ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡
2 ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ ኣለዉ፧ በልዎ።
3 ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም
4 ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዘውጽእ ሞት ይሙት፡ በለ።
5 ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ።
6 ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ።
7 ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡
8 እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ።
9 ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።
10 ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ፡ ኣስተውዕሉ፡
11 ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚእቱስ ንሰብ ኣየርክሶን።
12 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ።
13 ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ።
14 ሕደግዎም፡ ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ።
15 ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጕመልና፡ ኢሉ መለሰሉ።
16 የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧
17 ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
18 እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።
19 ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡
20 እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።
21 የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ።
22 እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት።
23 ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ድድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ።
24 ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ።
25 ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ።
26 ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ።
27 ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጎይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት።
28 ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት።
29 የሱስ ካብኡ ሓሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ።
30 ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም።
31 እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራያት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።
32 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጸሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን።
33 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ።
34 የሱስ ድማ፡ ክንደይከ እንጌራ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ።
35 ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም።
36 ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሃቦም፡፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም።
37 ኵሎም በሎዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ።
38 እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣርባዕተ ሽሕ፡ ሰብኣይ ነበሩ።
39 ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ።

 

1 ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ።
2 ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ።
3 ምስ ወግሐ፡ እቲ እተደበነወ ሰማይ ይቕይሕ አሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላጥ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧
4 ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዎም ከኣ ኸደ።
5 ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ።
6 የሱስ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ በሎም።
7 ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ።
8 የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልቡኹም ትሐስቡ፧
9 እቲ ሓሙሽተ እንጌራን ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዕልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን፧
10 ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም፧
11 እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧
12 ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ።
13 የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧ኢሉ ሐተቶም።
14 ንሳቶም ከኣ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥመቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለስሉ።
15 ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ በሎም።
16 ስምኦን ጴጥሮስ፡ ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
17 የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ።
18 ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።
19 መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።
20 ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ከይነግሩ ኣዘዞም።
21 ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ፡ ብዓበይቲ ብሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ክቕተል፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ፡ ኪገልጸሎም ጀመረ።
22 ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ።
23 የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፤ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ።
24-25 ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።
26 ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧
27 ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ።
28 ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

1 ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም።
2 ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ።
3 እንሆ ኸኣ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም።
4 ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፡ ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ።
5 ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ደበና፡ ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
6 ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ።
7 የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም።
8 ንላዕሊ ገጾም ቍሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
9 ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
10 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ንምንታይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
11 ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ።
12 ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝደለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለልይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም።
13 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ።
14 ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ፡
15 በሎውን፡ ጐይታይ፡ ንወደይ ምሐረለይ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡
16 ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ።
17 የሱስ ግና መለሰ በለውን፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ።
18 የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብቲ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ።
19 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎ።
20 የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩምውን የልቦን።
21 እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም።
22 ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ ኣለዎ።
23 ኪቐትልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ።
24 ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ፡ ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም፡ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብሪዶ ኣይፈድን እዩ፧ በልዎ።
25 ንሱ፡ ይፈዲባ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ፡ ስምኦን፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧ በሎ።
26 ጴጥሮስ፡ ካብ ካልኦትባ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ደቆምስኸ ናጻ እዮም።
27 ከይንዕንቕፎም ግና፡ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም፡ በሎ።

1 በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ።
2 ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ።
3 በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
4 እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።
5 ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል።
6 ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ።
7 መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ።
8 ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
9 ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
10 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ከይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ፡ እብለኩም አሎኹ።
11 ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ አሎ እሞ፡
12 እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧
13 እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጎስ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
14 ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።
15 ሓውኻ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውኻ ረባሕካዮ።
16 እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።
17 ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።
18 ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
19-20 ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
21 ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧ በሎ።
22 የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።
23 ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል።
24 ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ።
25 ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ።
26 ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ።
27 ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን፡ ዕዳኡውን ሐደገሉ።
28 እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ። ሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ፡ ኢሉ ሐነቖ።
29 ሽዑ እቲ ብጻይ ባርያ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ።
30 ንሱ ግና ኣበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ፡ ኣእሰሮ።
31 እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ።
32 ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ እታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ።
33 ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ።
34 ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ።
35 ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።

1 ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ፡ ብስግር ዮርዳዮስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ።
2 ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም።
3 ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ።
4 መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡
5 ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧
6 ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።
7 ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ኪፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ።
8 ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም።
9 ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ።
10 እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ።
11 ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን።
12 ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ ኣለዉ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን ኣለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ።
13 ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም።
14 የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ።
15 ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ።
16 እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ፡ ዎ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧ በለ።
17 ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ አሎኻ፧ እቲ ጽቡቕሲ ሐደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ።
18 ንሱ፡ ኣየኖት፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡
19 ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ፡ በሎ።
20 እቲ ጐበዝ፡ እዚ ዅሉ ካብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧ በሎ።
21 የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዓበኒ፡ በሎ።
22 እቲ ጐበዝ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነብሮ፡ ዘረባኡ ምስ ስምዔ፡ እናጐሀየ ኸደ።
23 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
24 ሃብታም ናብ መንግስተ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
25 እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ።
26 የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።
27 ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ፡ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧ በሎ።
28 የሱስ በሎም፥ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
29 ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ።
30 ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።

 

1 መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሳማማዕ፡ ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል።
2 ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም።
3 ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ከኣ ዕዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ።
4 ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዝግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ።
5 ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ።
6 ድማ ብመበል፡ ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፡ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም።
7 ንሳቶም፡ ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱ፡ በሎም።
8 ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት፡ ውዕለቶም ሀቦም፡ በሎ።
9 እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ።
10 እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ።
11 ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፡
12 ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ።
13 ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧
14 ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ክንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ።
15 ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧
16 ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።
17 የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ናብ መገዲ ወሰዶም በሎም ድማ፡
18 እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም።
19 ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ።
20 ሽዑ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ መጸት፡ ተደፊኣ ድማ ካብኡ ገለ ለመነት።
21 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትደልዪ፧ በላ። ንሳ፡ እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል፡ በለቶ።
22 የሱስ ግና መሊሱ፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋዕ ክትሰትዪኸ ትኽእሉዶ፧ በለ። ንሳቶም ንኽእል፡ በልዎ።
23 ንሱ ኸኣ፡ ጽዋኤይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም።
24 እቶም ዓሰርተ እዚ ሰሚዖም፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተናደዱ።
25 የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም።
26 ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምኻን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን።
27 እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኹም ይኹን።
28 ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ክሕልፍን እምበር፡ ኸገልግልዎ፦ ኢሉ ኣይመጸን።
29 ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለው፡ ብዙሓት ህዝቢ ሰዐብዎ።
30 እንሆ ድማ፡ ክልተ ዕዉራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ይሐልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ጨርሑ።
31 እቶም ህዝቢ ግና፡ ስቕ በሉ፡ ኢሎም ገንሕዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ ኢሎም ከኣ ኣዝዮም ጨርሑ።
32 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸዊዑ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም።
33 ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ፡ በልዎ።
34 የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፡ ብኡብኡ ረኣዩ ሰዐብዎ ድማ።

 

1 ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት-ፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ።
2 በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም።
3 ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ።
4-5 እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዅሉ ዀነ።
6 ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።
7 ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሔ።
8 ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ።
9 ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ።
10 ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተዉ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት።
11 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ በዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ።
12 የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።
13 ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም።
14 ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብ ቤት መቕደስ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
15 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ፡
16 እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከአ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም።
17 ሐዲግዎም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወጸ፡ ኣብኣ ከኣ ሐደረ።
18 ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ።
19 ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት።
20 ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸት፧ ኢሎም ተገረሙ።
21-22 የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ ኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዝኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
23 ናብ ቤተ መቕደስ እትዩ ኪምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ በልዎ።
24 የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።
25 ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይትኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ።
26 ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ።
27 ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለስሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም።
28 ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ።
29 ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ።
30 ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን።
31 ካብ ክልቲኦም ኣያናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
32 ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውትን ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩምን።
33 ካልእ ምስላ ስምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካእል ሃገር ገሸ።
34 ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮት ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ።
35 እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም።
36 ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም።
37 መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ።
38 እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ፡ ተባሃሀሉ።
39 ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ።
40 እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓያይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧
41 ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ።
42 የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧
43 ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትወሀብ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።
44 ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስብር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ።
45 ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ።
46 ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ።

1 የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ከምዚ ኢሉ ነገሮም፡
2 መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።
3 ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ።
4 ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ሰባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ።
5 ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ።
6 እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምን።
7 እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ።
8 ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡
9 ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም።
10 እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ።
11 እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሰብኣይ ረኣየ እሞ፡
12 ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ።
13 ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።
14 ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።
15 ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ።
16 ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛ ምኳንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ከም እትምህር፡ ንፈልጥ አሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ።
17 እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና።
18 የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም።
19 ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ።
20 ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም።
21 ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም።
22 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ።
23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ።
24 ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓዉ ኸኣ ዘርኢ የቑመሉ፡ በለ።
25 ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓዉ ሐደጋ።
26 ከምኡ ኸኣ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ።
27 ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት።
28 ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧
29 የሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ አሎኹም።
30 ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን።
31-32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ካብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚእብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን።
33 እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ።
34 ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውያን ከም ዝዐጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ።
35-36 ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኪዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ።
37 የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡
38 እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።
39 እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።
40 ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ፡ በሎ።
41 ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡
42 ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ወዲ ዳዊት፡ በልዎ።
43-44 ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧
45 እምበኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።
46 ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ሓደ እኳ ኺሐቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።

 

1 ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡
2 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።
3 ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ።
4 ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።
5 ኵሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።
6 ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ።
7 ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ።
8 ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።
9 ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ።
10 መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።
11 እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን።
12 ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ።
13 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትውዋን፡ ነቶም ኪኣትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪኣትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
14 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ አሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
15 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኩም እሞ፡ ወይለኹም።
16 ኣቱም ብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡ ወይለኹም።
17 ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧
18 ብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ።
19 ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧
20 እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ።
21 እቲ ኣቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል እሎ።
22 እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል።
23 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።
24 ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ።
25 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም።
26 ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ።
27 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም።
28 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጻን ምሉእ እዩ።
29 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም።
30 ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ አሎኹም።
31 እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ አሎኹም።
32 ንስኻትኩም መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ።
33 ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧
34 ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም።
35 እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ።
36 እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
37 የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም።
38-39 ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።

 

1 የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ።
2 ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
3 ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።
4 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።
5 ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።
6 ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።
7 ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።
8 እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
9 ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።
10 ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም።
11 ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።
12 ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።
13 እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።
14 እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።
15 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ – እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ –
16 ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።
17 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ።
18 ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ።
19 በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን።
20-21 ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።
22 እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።
23 ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ።
24 ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።
25 እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም።
26 እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ፡፡ ኣብ ቤት አሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ።
27 በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
28 ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም።
29 ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።
30 ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።
31 ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም።
32 ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
33 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።
34 እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
35 ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ።
36 ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን።
37 ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
38 ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡
39 ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
40 ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ።
41 ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።
42 ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።
43 ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን።
44 ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።
45 እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧
46 ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ።
47 ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
48 እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡
49 ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን።
50 ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ።
51 ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

 

1 ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል።
2 ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን።
3 እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን።
4 እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ።
5 መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውን።
6 ፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ።
7 ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ።
8 እተን ዓያሱ ነተን ለባማት፡ ቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን።
9 እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን።
10 ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጸወ።
11 ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ።
12 ንሱ ግና መሊሱ፡ ብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን።
13 እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።
14 መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ።
15 ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ።
16 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ።
17 እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ።
18 እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ።
19 ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ።
20 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ።
21 እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ።
22 እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ።
23 ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ።
24 እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡
25 ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ።
26 እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ።
27 እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ።
28 ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ።
29 ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።
30 ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
31 ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።
32 ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም።
33 ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን።
34 ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።
35 ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።
36 ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።
37 ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧
38 መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧
39 መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ።
40 እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
41 ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።
42 ጠምየ ነብርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን።
43 ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን።
44 ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ።
45 ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
46 እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

 

1 ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ዅሉ ምስ ወድኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡
2 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም።
3 ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዚብሀል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ።
4 ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ድማ ተማኸሩ።
5 ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።
6 የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡
7 ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።
8 ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧
9 ንብዙሕ ተሽይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ።
10 የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧
11 ድኻታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን።
12 እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ።
13 እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
14 ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡
15 ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ።
16 ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
17 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቕጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ።
18 ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኪዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኽፍስግ፡ ይብል አሎ መምህር፡ በልዎ።
19 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ የሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።
20 ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።
21 ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
22 ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሃዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ።
23 መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ።
24 ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ።
25 እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ።
26 ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም።
27-28 ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።
29 ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም አሎኹ።
30 መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።
31 ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።
32 ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም።
33 ጴጥሮስ ከኣ፡ ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።
34 የሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
35 ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኵላቶም ከምኡ በሉ።
36 ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም።
37 ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ።
38 ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም።
39 ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።
40 ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧
41 ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።
42 ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኺሐልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ።
43 ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም።
44 ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ።
45 ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ።
46 ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ፡ በሎም።
47 እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ።
48 እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ ኢሉ ምልክት ሀቦም።
49 ብኡብኡ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ።
50 የሱስ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሐዝዎ።
51 እንሆ፡ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ።
52 ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ።
53 ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧
54 ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧
55 ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጻእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሐዝኩምንን።
56 እዚ ዅሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዅሎም ሐዲጎምዎ ሀደሙ።
57 እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ።
58 ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን፡ ናብ ውሽጢ አትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ።
59 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን።
60 ብዙሓት ሐስዮም ዚምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን።
61 እብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጻ እኽእል እየ፡ በለ።
62 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ስቕ በለ።
63 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ በሎ።
64 የሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።
65-66 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፉ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ።
67 ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡
68 ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ።
69 ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጺኡ ኣብ ውሽጢ ተቒሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት።
70 ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሐደ።
71 ዓንቐጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም።
72 ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሐደ መሐለውን።
73 ቅሩብ ምስ ጸንሔ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ አሎ፡ በልዎ።
74 ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ።
75 ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ።

 

1 ምስ ወግሔ፡ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
2 ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ።
3-4 ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሐዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ።
5 ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ።
6 ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ።
7 ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ።
8 ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ።
9-10 እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ።
11 የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ በሎ።
12 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን።
13 ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትስምዕን ኢኻ፧ በሎ።
14 እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን።
15 እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም።
16 ሽዑ በርባን ዚብሀል ዉሩይ ተኣሲሩ ነበረ።
17-18 ተአኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝህብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም።
19 ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሊኡ ብዙሕ መከራ ረኺቡኒ አሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ።
20 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም።
21 እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም።
22 ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምበኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኵሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ።
23 እቲ ሹም፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ።
24 ጲላጦስ ዘይምብዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ።
25 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ።
26 ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ከስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም።
27 ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ።
28 ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ።
29 ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጽሉ።
30 ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ።
31 ምስ ኣላገጽሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ፡ ኪስቕልዎውን ወሰድዎ።
32 ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ።
33 ጐልጎታ ኣብ እትብሀል ቦታ፡ ትርጓሚኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ፡
34 ምስ ሓሞት እተሖሶ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ።
35 ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ።
36 ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ።
37 እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ ኣዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ።
38 ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ።
39-40 ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤት መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
41 ከምኡ ድማ ሊቃውንትን ኻህናት፡ ምስ ጸሓፍትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም፡
42 ንኻልኦት ኣድሓኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከኣለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን።
43 ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ አሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ።
44 እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
45 ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ።
46 ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ።
47 ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ አሎ፡ በሉ።
48 ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ።
49 ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ።
50 የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት።
51 እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ።
52 መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ።
53 ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ።
54 እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ።
55 ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን።
56 ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ዮሴፍ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።
57 ምስ መሰየ ድማ፡ ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ።
58 ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ።
59 ዮሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ።
60 ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ።
61 ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።
62 ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም፡
63 ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና።
64 ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ።
65 ጲላጦስ፡ ሓለውቲ እነዉልኩም፡ ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉ፡ በሎም።
66 ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ።

1 ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ።
2 እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ።
3 ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ።
4 እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ።
5 እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።
6 ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ።
7 ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኹን።
8 ካብቲ መቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ።
9 ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።
10 ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን።
11 ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም።
12 ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ኸኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡
13 ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ።
14 እዚ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዔ፡ ንሕና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም።
15 እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምታ ዝመሀርዎም ገበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ አሎ።
16 እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ።
17 ምስ ረኣይዎ፡ ሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ።
18 የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።
19-20 ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...