ጽማቝ ሓሳባት  የያዕቆብ መልእክት (James)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

የያዕቆብ መልእክት (James)

1 ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ።
2 ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።
3 እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡
4 ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።
5 ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ።
6 እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።
7-8 ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።
9 እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ።
10 እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ።
11 ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ።
12 ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
13 ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል።
14 ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን።
15 ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።
16 ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ።
17 ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።
18 በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።
19-20 ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንኹራ ደንጓዪ ይኹን።
21 ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ።
22 ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።
23 ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል።
24 ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ።
25 እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።
26 ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
27 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

 

1 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ።
2 ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣተወ፡
3 እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡
4 ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧
5 ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧
6 ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧
7 ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧
8 ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።
9 እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።
10 ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን።
11 እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ።
12-13 ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ።
14 ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧
15 ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡
16 እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧
17 ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።
18 ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ።
19 ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።
20 ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧
21 ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧
22 እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ።
23 እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ።
24 ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም።
25 ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧
26 እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

 

1 ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።
2 ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ።
3 እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ።
4 እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓ።
5 ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ።
6 ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ።
7 ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን አሎ።
8 ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ።
9 ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም።
10 ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።
11 ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧
12 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
13 ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ።
14 መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን።
15-16 ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።
17 እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።
18 ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

 

 

1 እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧
2 ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም እሞ፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን።
3 ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።
4 ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።
5 ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧
6 ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
7 እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
8 ንኣምላክ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።
9 ተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ።
10 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።
11 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።
12 እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧
13 እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡
14 ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።
15 ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡
16 ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ።
17 እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

 

1 ኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ።
2 ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ።
3 ወርቕኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ። ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ፡፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ አኪብኩም አሎኹም።
4 እንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ አሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ።
5 ኣብ ምድሪ ሐንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፡ ከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም።
6 ፈሪድኩም፡ ነቲ ጻድቕ ቀቲልኩምዎ፡ ንሱ ኣይጻረረኩምን እዩ።
7 እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ።
8 ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዐገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ።
9 ኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ።
10 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት፡ ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም።
11 እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም።
12 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ።
13 ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዚጸግብዶ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር።
14 ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ።
15 እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።
16 እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።
17 ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን።
18 ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት።
19 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡
20 እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድን፡ ይፍለጥ።

 

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...