ጽማቝ ሓሳባት  1ኛ ወደ ተሰሎንቄ ሰዎች (1 Thessalonians)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

1ኛ ወደ ተሰሎንቄ ሰዎች (1 Thessalonians)

1 ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
2-3 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።
4 ኣቱም ብኣምላኽ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ምሕራይኩም ስለ ዝፈለጥና፡
5 ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና፡ ከምቲ እትፈልጥዎ፡ እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን።
6 ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቅባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም።
7 ስለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘልዉ ዅላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም።
8 እምነትኩም ብኣምላኽ ናብ ብዘሎ ስፍራ ወጺኣ ኣላ እምበር፡ እቲ ቓል ጐይታስ ካባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዔ እሞ፡ ክንዛረበሉ ኣየድልየናን እዩ።
9-10 ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና ወዱ የሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም።

 

1 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸንቱ ኸም ዘይኰነ፡ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ አሎኹም።
2 ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፈልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን፡ ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽ ተባዕና።
3-4 እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰንናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡
5 ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብቓል ቅብጥር ወይስ እናማሳመስና ብስስዕቲ ከቶ ኣይመጻእናኩምን፡ ኣምላኽ ምስክርና እዩ።
6 ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ኸነኽብድ ዚክኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን።
7 ኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምታ ዉሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና።
8 ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።
9 ኣሕዋተየ፡ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም እሞ፡ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ከይነኽብድ ኢልና፡ ለይትን መዓልትን እናዓየና ወንጌል ኣምላኽ ሰበኽናልኩም።
10 ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም።
11-12 ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱን፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንዉሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።
13 ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።
14 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሰረ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም።
15-16 ንጐይታና የሱስን ንነብያትን ዝቐተልዎም ንኣናውን ዚሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዅሉ ሰብውን ይጻረርዎ አለዉ። ከምዚ ዅሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም አሎ።
17 ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ ብገጽ ንቕሩብ ጊዜ ኻባኻትኩም እተፈሌና፡ ገጽኩም ክንርኢ ብብዙሕ ናፍቖት ኣዚና ተሃዊኽና አሎና።
18 ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሌና፡ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ደልየ ነይረ፡ ግናኸ ሰይጣን ዓገተና።
19-20 ክብርናን ሓጐስናን ንስካትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጻኣቱኸ ተስፋና ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፡

 

 

1 ስለዚ ካብኡ ንነጀው ክንዕገስ ስለ ዘይተኻእለና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና።
2-3 በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ኬህድኣኩም ለኣኽናዮ።
4 እምበኣርከ ምሳኻትኩም ከሎና፡ ጸበባ ኸም ዚመጻናስ፡ ቅድም ነጊርናኩም፡ ከምቲ እትፈልጥዎውን፡ ከምኡ ዀነ።
5 ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይኸውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ።
6 ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና መጺኡ፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ዘሎና፡ ክትርእዩና እናናፈቕኩም ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ብናይ እምነትኩምን ፍቕርኩምን ምስ ኣበሰረና፡
7 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኵሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕና።
8 ብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር አሎና።
9-10 ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዅሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ።
11 ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦና ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዕ።
12-13 በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዅሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን።

1-2 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝሃብናኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጕሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምዕደኩምን አሎና።
3 ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡
4-5 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።
6-7 ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኹምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን።
8 ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ።
9 ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ።
10 እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ኣሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣዚኹም እናወስኽኩም ክትከዱ፡ ንምዕደኩም አሎና።
11-12 ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደሌኩም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሃድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዓዩንሲ ክብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም አሎና።
13 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።
14 ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ።
15 ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና።
16 ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።
17 ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
18 ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።

 

 

1-2 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ።
3 ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።
4-5 ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።
6 ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።
7 እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።
8 ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ።
9 ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን።
10 ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡ ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ክንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ።
11 ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።
12 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም አሎና።
13 ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።
14 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም አሎና።
15 እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።
16 ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ።
17 ከየባተኽኩም ጸልዩ።
18 እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።
19 መንፈስ ኣይተጥፍኡ።
20 ትንቢት ኣይትንዓቑ።
21 ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።
22 ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ።
23 ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ።
24 እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ።
25 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ።
26 ንዅላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም።
27 ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኵሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም አሎኹ።
28 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

 

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...