ጽማቝ ሓሳባት  2ኛ ወደ ቆሮንቶስ ሰዎች (2 Corinthians)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

2ኛ ወደ ቆሮንቶስ ሰዎች (2 Corinthians)

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡
2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
3 ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡
4 በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።
5 ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ።
6 ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ።
7 ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥና፡ ተስፋና ኣባካትኩም ጽንዕቲ እያ።
8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና።
9 ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ።
10 ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና።
11 ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና ኣሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም።
12 ትምክሕትና፡ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባካትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ።
13-14 ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስካትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር አሎኹ።
15 ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተአሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ፡
16 ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሐልፍ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስካትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ።
17 እምብኣርሲ እዚ ምስሐስበኩ፡ ብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ፡ እወ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ እቲ ዝመኽሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧
18-19 እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እምበር፡ እወን ኣይኰነን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነን፡ ኣይነበረን።
20 ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ።
21-22 ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።
23 ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ንምስክር ኢለ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣምላኽ ንምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ ኣሎኹ።
24 ብእምነት ቌምኩም ኣሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐሰኹም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን።

 

1 ከም ብሓድሽ ድማ ብጓሂ ናባኻትኩም ከይመጽእ፡ እዚ ብርእሰይ መደብክዎ።
2 ማለት፥ ኣነ እንተ ኣጕሄኹኹምሲ፡ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝጐሃየ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ ዜሐጕሰኒ፧
3 ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላትኩም ከም ዝዀነ ብዅላትኩም እናተኣመንኩ፡ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዚግባኣኒ፡ ክመጽእ ከሎኹ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም።
4 እቲ ዘፍቅረኩም ፍቕረይ ኣዝዩ ብሉጽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሐፍኩልኩም፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን።
5 ሓደ ሰብ ዘጕሃየ እንተሎ ግና፡ እምብዛ ኸየኽብደሉ፡ ብሓደ ወገኑስ ንዅላትኩም እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዘጕሃየ።
6 ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ካብቶም ብዙሓት ዝረኽቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ።
7 እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።
8-9 ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም አሎኹ።
10-11 ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ አሎኹ።
12 ወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፈቱለይ ከሎስ፡
13 ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኽብክዎ፡ ንሳቶም ኣሰንዮምኒ ናብ መቄዶንያ ወጻእኩ እምበር፡ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረን።
14 ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።
15 ማለት፥ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡
16 ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፡
17 ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን።

 

1 ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቍብ ንጅምር ኣሎና፡ ወይስ ከምቶም ገሊኦምዶ እተማዕቍበና ደብደበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እያ፡
2 ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስካትኩም ኢኹም።
3 ንስካትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብደበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።
4 ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡
5 ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።
6 ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።
7 ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ካብ መጸትሲ፡
8 ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፡
9 እታ ኣገልግሎት ኵነኔ ኻብ እትኽበር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዓዝዝ፧
10-11 እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ክንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እቲ ዚዐዛ ኽብሪ ኽብርቲ ኣይኰነትን።
12 እምብኣርሲ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡
13 ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ከይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጕልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና።
14 ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ።
15 ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ።
16 ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ።
17 ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።
18 ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።

 

1-2 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቍብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሓዲግና አሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይንሐለልን ኢና።
3 እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸአ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ።
4 እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።
5 ማለት፥ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘሎና።
6 እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።
7 ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።
8 ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡
9 ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።
10 ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና።
11 ማለት፥ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ።
12 እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ።
13-14 ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቝመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና።
15 እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኼዕዝዝ፡ ኵሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ።
16-17 እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።
18 እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።

 

 

1 እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።
2-3 ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ ኣሎና።
4 ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣሎና።
5 ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሃበና፡ ኣምላኽ እዩ።
6-7 ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ ኣላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።
8 ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና።
9-10 ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና።
11 እምብኣርሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና፡ ንሰብ ነረድኦም አሎና፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ግሁዳት ኢና፡ ኣብ ሕሊናኹም ከም እተገሃድናውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
12 ነቶም ብገጽ እምበር፡ ብልቢ ዘይኰነ፡ ዚምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ኪህልወኩም፡ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣሎና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቍበኩም ኣይኰንናን።
13-14 እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና።
15 ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።
16 ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።
17 ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።
18 እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ።
19 ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
20-21 ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።

 

1 ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም ኣሎና።
2 ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።
3 ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።
4 ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡
5 ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡
6 ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡
7 ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡
8 ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡
9 ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡
10 ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኵሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብልና ኴንና ንርኤ አሎና።
11 ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣካትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ።
12 ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ።
13 ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ ፦ ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ ኣሎኹ ፦ ንስኻትኩም ውን ልብኹም ኣግፍሑ።
14 ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧
15 ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፡
16 ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፡ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።
17 ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡
18 ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።

 

1 እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።
2 ኣብ ልብኹም ስፍራ ኣርሕቡልና፡ ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዓመጽናን፡ ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን።
3 ምሳና ንሙማት ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘሎኹምሲ፡ ቅድሚ እዚ ኢለ ኣሎኹ እሞ፡ እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ንበይንኹም ኣይኰንኩን።
4 ኣባካትኩም ብዙሕ ትብዓት ኣሎኒ፡ ትምክሕተይ ብኣካትኩም ዓብዪ እዩ። ብምጽንናዕ መሊኤ ኣሎኹ፡ ብጸበባና ዘበለ ዅሉውን ሓጐሰይ ዕዙዝ እዩ።
5 ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ፡ ካብ ወጻኢ ውግእ፡ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና እሞ፡ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፡ ስጋና እኳ ዕረፍቲ ኣይረኸበን።
6 እቲ ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና።
7 ግናኸ ንሱ ናፍቖትኩምን ብኽያትኩምን ቅንኣትኩምን ምእንታይ ምስ ኣዘንተወልና፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ ድማ እምበር፡ ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣዝየ እተሐጐስኩ።
8 በታ ደብደበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዓስን እየ። እታ ደብደበ እቲኣ፡ ንጊዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣሎኹ እሞ፡
9 ካባና ገለ ጕድኣት ምእንቲ ኸይትረክቡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሄኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጕሄኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጕሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ።
10 ማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ።
11 እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጕሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዘየምጽኣልኩም፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብኵሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም።
12 እምብኣርሲ እንተ ጸሐፍኩልኩም ከኣ፡ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኪግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ።
13 ስለዚ ድማ ተጸናናዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕና ድማ ብሓጐስ ቲቶስ፡ መንፈሱ ብዅላትኩም ስለ ዝቐሰነ፡ ብዙሕ ኣዚና ተሐጐስና።
14 ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ብገለ ተመኪሔ እንተ ዀንኩ እኳ፡ ከምቲ ዅሉ ብሓቂ ዝነገርናኩም፡ ከምኡውን እቲ ትምክሕና ኣብ ቅድሚ ቲቶስ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ኣይሐፈርኩን።
15 ከመይ ጌርኩም ብፍርሃት ራዕራዕ ብምባልን ከም እተቐበልኩምዎ፡ ምእዛዝ ኵላትኩም እናዘከረ፡ ልቡ ኣዝዩ ናባካትኩም ኣቕሊቡ ኣሎ።
16 ብዅሉ ኣባኻትኩም እሙንቶ ኣላትኒ እሞ ሕጕስ እየ።

1 ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡
2-3 ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሃቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዓዘዘ።
4 ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡
5 ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡
6 ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ ኣሎና።
7 ግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ።
8 እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን።
9 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
10 እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም።
11 ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ።
12 ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ፡ በቲ ዘልዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን።
13 ምእንቲ ማዕረ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን።
14-15 ከመዮ፤ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጕደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ፡ እሞ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
16-17 ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ በዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባካትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
18 ምስኡውን ነቲ ኣብ ኵላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓዉ ሰዲድና ኣሎና።
19 እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኺርኤን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኺዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሐረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
20-21 ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይዕንቀፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና።
22 ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ በዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ ኣሎና።
23 ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባካትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም።
24 እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም።

 

1-2 ኣካይያ ካብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶናውያን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ።
3 ትምክሕትና ብኣካትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም አሎኹ።
4 እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፦ ንስኻትኩም ከይንብልሲ፦ ንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሐፍር ኢለ ለኣክክዎም።
5 እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኩምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስ፡ ከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ።
6 ግናኸ እዚ እብል ኣሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ።
7 ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡
8-9 ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሃበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚኣከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ፡
10 ግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራ ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቕኹምውን ኬብቍሎን እዩ፡
11 ንስካትኩም ከኣ ብዅሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዓዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም።
12 እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡
13 ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ ስለቲ ንኣታቶምን ንዅሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም።
14 ንሳቶምውን ስለቲ ኣባካትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም።
15 ስለቲ ዘይንገር ውህበት ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

 

1 ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሓቕኩ ግና ኣባኻትኩም ዝተብዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም አሎኹ፡
2 ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳካትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም ኣሎኹ።
3 ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና።
4 ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡
5 ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።
6 ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ኵሉ ኽንቀጾዖ ተዳሊና ኣሎና።
7 ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱ፡ ሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ ብርእሱ የስተብህል።
8 በቲ ጐይታ ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘይኰነ ዝሃበና ስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሐፍርን እየ።
9-10 ገለ ሰብ፥ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከስምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
11 እቲ ኸምዚ ዚብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎና ብቓል ደብዳቤታትና፡ ኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ።
12 ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዚንእዱ፡ ርእስና ኽንቘጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኽ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዜመዓራርዩስ፡ ኣእምሮ የብሎምን።
13 ንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና።
14 ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስ፡ ባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባካትኩም እኳ በጺሕና ኣሎና።
15 ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዓቢ ተስፋና እዩ።
16 ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና።
17-18 እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ።

 

1 ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዓገሱኒ ደኣ።
2 ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።
3 ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ።
4 ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስካትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም።
5 ኣነ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያ ብሓንቲ እኳ ዝሐምቕ ኣይመስለንን።
6 ብዘረባ እኳ ዓሻ እንተ ዀንኩ፡ ብፍልጠትሲ ኸምኡ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ኣባኻትኩም ግሁዳት ኢና።
7 ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧
8 ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራት ዝበዝበዝክወን።
9 ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰአንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዅሉ ድማ ርእሰይ ኸየኽብደልኩም እጥንቀቕ ኣሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ።
10 ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን።
11 ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ።
12 ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ።
13 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።
14 ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
15 ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።
16 ከም ብሓድሽ ከኣ እብል ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣይምሰሎ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣነውን ገለ ቕሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ።
17 እዚ በዚ እሙንቶ ትምክሕቲ ዝብሎ ዘሎኹ፡ ከም ብዕሽነት እምበር፡ ብእግዚኣብሄር ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ።
18 ብዙሓት ከም ስጋ ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነውን ክምካሕ እየ።
19 ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣሎኹም።
20 ሓደ ኸም ባርያ እንተ ገበረኩም፡ ሓደ እንተ ወሓጠኩም፡ ሓደ እንተ ሐዘኩም፡ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩም፡ ትዕገስዎ ኢኹም።
21 ንሕና ድኹማት ኴንና ኸም ዝነበርና፡ ብናይ ውርደት እብል ኣሎኹ፡ ግናኸ በቲ ሓደ ካልእ ዚደፍረሉ፦ ብዕሽነት እየ ዝብል ዘሎኹ፦ ኣነውን እደፍር እየ።
22 እብራውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ።
23 ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ።
24 ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ።
25 ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰልሰተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዓልኩ።
26 ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ።
27 ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ።
28 ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዅሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ብዅላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ።
29 መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧
30 ክምካሕ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑስ፡ ኣነ ብናይ ድኻመይ ክምካሕ እየ።
31 እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ።
32 ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ ኺሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ ኣሐለዋ፡
33 እሞ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ኣውረዱኒ፡ ካብ ኢዱውን ኣምለጥኩ።

1 ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ።
2 ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።
3 ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡
4 ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።
5 በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ።
6 ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዓሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚስምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ።
7 ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።
8 እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባዚ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡
9 ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
10 እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።
11 ምናምን እኳ` ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሐመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዓሽየ፡ ግናኸ ንስካትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ።
12 ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባኻትኩም ብዅሉ ትዕግስቲ ተገብረ።
13 ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፡ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ።
14 እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣኻትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይከኽብደልኩምን እየ።
15 ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጕዲልኩም ተፍቅሩኒ አሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ።
16 እስከ ዝዀነ ይኹን፡ ብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሐዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን።
17 በቶም ናባካትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፡
18 ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሓው ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣሰኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧
19 ንርእሰና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኵሉ ንምህናጽኩም እዩ።
20 ክመጽእ ከሎኹ፡ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኵራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዅሽዅ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ።
21 ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጕሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ።

 

1 እዚ ምምጽኤይ ኣባኻትኩም ሳልሳይ ጊዜ እዩ። ዘረባ ዘበለ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ዚቐውም።
2-3 ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዅላቶም ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር አሎኹ።
4 ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ክንነብር ኢና።
5 ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።
6 ንሕና ግና፡ መኸታ ዘየጽንዑ ኸም ዘይኰንና ኽተፈልጡ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
7 ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን አሎና። ንሕና እኳ መኸታ ኸም ዘይነጽንዕ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ንስኻትኩም ሰናይ ክትገብሩ እምበር፡ ንሕና መኸታ ምእንቲ እነጽንዕ መሲልና ኽንርኤ ኣይኰነናን።
8 ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ክንገብር ኣይከኣለናን እዩ።
9 ንሕናን እንተ ደኸምና፡ ንስካትኩምን እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን፡ ምሉኣት ክትኰኑ፡ ንጽሊ አሎና።
10 ምእንትዚ በቲ ንምህናጽ እምበር፡ ንምፍራስ ዘይኰነ፡ ጐይታ ዝሃበኒ ስልጣን ምስ መጻእኩ፡ ጨኪነ ኸየበርትዓልኩም፡ ርሑቕ ከሎኹ እጽሕፈልኩም አሎኹ።
11 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
12 ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።
13 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።

 

 

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...