ጽማቝ ሓሳባት  የሉቃስ ወንጌል (Luke)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

የሉቃስ ወንጌል (Luke)

1 ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዚጅምሩ፡
2 እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡
3-4 ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሃርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ አሎ።
5 ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዚብሃል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሃል ሰበይቲ ነበረቶ።
6 ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዅሉ ትእዛዛት እግዝኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጕድለት ዚኸዱ ነበሩ።
7 ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሐለፈ ኣረገውቲ ነበሩ
8 ኰነ ድማ፡ ብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ኪገብር ከሎ፡
9 ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ዕጣን ኪዓጥን ብዕጭ በጽሖ።
10 በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ።
11 በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ።
12 ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ።
13 እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፥ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ።
14 ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም።
15 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ። ወይንን ዜስክር መስተን ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ።
16 ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ።
17 ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።
18 ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፥ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፡ በሎ።
19 እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣኽኩ።
20 እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳዕ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ።
21 እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም።
22 ምስ ወጸ ድማ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ።
23 ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔ፡ ናብ ቤቱ ኸደ።
24-25 ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሐብኤት።
26-27 ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።
28 እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ።
29 ንሳ ምስ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት።
30 እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ።
31 እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።
32 ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ።
33 ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።
34 ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ።
35 እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።
36-37 እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ – ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
38 ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።
39 በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት።
40 ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።
41 ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡
42 ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።
43 ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧
44 እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራሰረ።
45 እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።
46 ማርያም ድማ በለት ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡
47-49 መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
50 ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
51 ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም።
52 ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም።
53 ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም።
54-55 ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።
56 ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት።
57 ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሔ ወዲውን ወለደት።
58 ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሐጐሱ።
59 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገርዝዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ።
60 ሽዑ ኣዲኡ፡ ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዚስመ፡ ኢላ መለሰት።
61 ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ
62 ነቦኡ ድማ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ እናኣመልከቱ ሐተትዎ።
63 ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፡ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ። ኵሎም ከኣ ተገረሙ።
64 ብኡብኡ ኣፉ ተኸፈተ፡ ልሳኑውን ተፈትሔ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ።
65 ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነ፡ ብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኵላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ፡
66 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፥ እዚ ህጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሐዝዎ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት።
67 ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚ ኢሉውን ተነበየ፥
68 ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
69-70 ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡
71 ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና፡
72 ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኺዝክሮ፡
73 እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሐለሉ ማሕላ ኺህበና፡
74-75 ብቕድስናን ብጽድቅን ብዅሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና።
76-77 ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዲ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሃል ኢኻ።
78-79 ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ።
80 እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ከኣ ደልደለ። ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።

1 ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ።
2 እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ።
3 ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ።
4-5 ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሐፍ ደየበ።
6 ኰነ ድማ፡ ኣብኡኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ።
7 በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።
8 ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ።
9 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ።
10-11 እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ – ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ – ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።
12 ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም።
13-14 ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
15 ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ፡ ተባሃሃሉ።
16 ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ።
17 እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ።
18 ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።
19 ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት።
20 እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።
21 ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልአ ድማ፡ ከምቲ መልእኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሃንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ።
22-24 ከምቲ ሕጊ መሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ – ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፥ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሃል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ -ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቝምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ።
25 እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።
26 ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረአዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ።
27 ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡
28 ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥
29-32 ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።
33 ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ።
34 ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ።
35 ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።
36 ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፋኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። – ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት።
37 ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። – ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።
38 ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።
39 ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ።
40 እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ።
41 እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።
42 ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ።
43 እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን።
44 ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ።
45 ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
46 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ።
47 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።
48 ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ።
49 ንሱ ኸኣ፥ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም።
50 ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።
51 ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።
52 የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።

 

1 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮዶስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ፡ ፊልጶስ ሓዉ ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጡርያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን፡ ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡
2 ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ።
3 ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኵሉ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ።
4 ከምቲ ኣብ ቃል መጽሐፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዚብል፥ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዚእውጅ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ።
5 ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን።
6 ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ምድሓን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ።
7 ነቶም ንሱ ኼጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፥ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሐበረኩም፧
8 እምበኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚኤን ንኣብርሃም ውሉድ ኬተንሳኣሉ ንኣምላኽ ከም ዚከአሎ፡ ኣብለኩም አሎኹ እሞ፡ ብርእስኹም፥ ኣብርሃም ኣቦ አሎና ምባል ኣይትጀምሩ።
9 ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ሱር ኣእዋም ተነቢሩ አሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ።
10 እቶም ህዝቢ ድማ፥ እንታይ እሞ ንግበር፡ ኢሎም ሐተትዎ።
11 ንሱ ኸኣ፥ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም።
12 ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦም፥ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ።
13 ንሱ ኸኣ፥ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሓለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም።
14 ዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።
15 እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ፡ ኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፥ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ ድማ፡
16 ዮሃንስ መለሰ ንዅሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ አሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።
17 መስኤኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።
18 ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዓዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም።
19 ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ፡
20 ሄሮድስ ኣብ ልዕል እዚ ዅሉ ወሲኹ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጸዎ።
21 ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዅሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ።
22 መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።
23 የሱስ ባዕሉ ኺምህር ምስ ጀመረ፡ ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ፡
24 ወዲ ማታት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ መልኪ፡ ወዲ ያና፡ ወዲ ዮሴፍ፡
25 ወዲ ማጣትዩስ፡ ወዲ ኣሞጽ ወዲ ናሆም፡ ወዲ ኣስሊ፡ ወዲ ናጌ፡
26 ወዲ መኣት፡ ወዲ ማታትዩስ፡ ወዲ ሴሜይ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ይሁዳ፡
27 ወዲ ዮና፡ ወዲ ሬሳ፡ ወዲ ዘሩባቤል፡ ወዲ ሰላትኤል፡ ወዲ ኔሪ፡
28 ወዲ ሜልኪ፡ ወዲ ኣዲ፡ ወዲ ቆሳም፡ ወዲ ኤልማዳም፡ ወዲ ኤር፡
29 ወዲ ዮሴ፡ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ዮራም፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ሌዊ፡
30 ወዲ ስምኦን ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ዮናን፡ ወዲ ኤልያቂም፡
31 ወዲ ሜልያ፡ ወዲ ማይናን፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ናታን፡ ወዲ ዳዊት፡
32 ወዲ እሴይ፡ ወዲ እዮቤድ፡ ወዲ ቦኤዝ፡ ወዲ ሰልሞን፡ ወዲ ነኣሶን፡
33 ወዲ ኣሚናዳብ፡ ወዲ ኣራም፡ ወዲ ኤስሮም፡ ወዲ ፋሬስ፡ ወዲ ይሁዳ፡
34 ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር፡
35 ወዲ ሳሮክ፡ ወዲ ራጉ፡ ወዲ ፋሌቅ፡ ወዲ ኣቤር፡ ወዲ ሳላ፡
36 ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ኣርፋክሳድ፡ ወዲ ሴም፡ ወዲ ኖህ፡ ወዲ ላሜክ፡
37 ወዲ ማቱሳላ፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ያሬድ፡ ወዲ መላልኤል፡ ወዲ ቃይናን፡
38 ወዲ ሄኖስ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ።

 

1 የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ።
2 ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ።
3 ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝ፡ በሎ።
4 የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
5 ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣርኣዮ።
6 ሽዑ ድያብሎስ፥ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡
7 ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኵሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ።
8 የሱስ ከኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ።
9-11 ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፥ ንመላእኽቱ ኺሕልዉኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ።
12 የሱስ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
13 ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ።
14 የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዔ።
15 ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፡ ኵሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።
16 ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ።
17 መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፥
18 ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡
19 ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር ክሰብኽ ለኣኸኒ።
20 ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ።
21 ሽዑ፥ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ።
22 ኵሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፥ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ።
23 ንሱ ድማ፥ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፥ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ አሎኹም፡ በሎም።
24 በለ ኸኣ፥ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
25 ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡
26 ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን።
27 ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን።
28 ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዀሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ።
29 ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሉ ዘላ ኸረን ወሰድዎ።
30 ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ።
31 ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።
32 ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ።
33 ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፥
34 ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ አሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ።
35 የሱስ ከኣ፥ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ።
36 ኵሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፥ እዚ ነገርዚስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ።
37 ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ።
38 ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብብርቱዕ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ።
39 ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሳኦ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልገለቶም።
40 ጸሐይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ሕሙማት ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።
41 ኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
42 ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ።
43 ንሱ ግና፥ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብክለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም።
44 ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናተዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።
2 ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ።
3 ካብተን ጀላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።
4 ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቕ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ።
5 ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሐዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ።
6 እዚ ምስ ገበረ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ።
7 ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግፍዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቀርባ መልእወን።
8-10 ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዮ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኪ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፥ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፥ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።
11 ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዅሉ ሐዲጎም ሰዓብዎ።
12 ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፥ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትክእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ።
13 የሱስ ድማ፥ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ።
14 ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር። ኢሉ ኣዘዞ።
15 ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ።
16 ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።
17 ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩ። ሓይሊ እግዚኣብሄር ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ።
18 እንሆ ድማ ሰባት መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ።
19 ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትዉዎ እንተ ጨነቆም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ።
20 እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ አሎ፡ በሎ’
21 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እዚ ጸርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፡ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእል፧ ኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩ።
22 የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፥ ብልብኹም እንታይ ትሐስቡ አሎኹም፡
23 ኣየናይ ይቐልል፥ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡
24 ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ – ነቲ መጻጕዕ፥ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
25 ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ።
26 ኵሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፥ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም።
27 ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዚብሃል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፥ ስዓበኒ፡ በሎ።
28 ተንሲኡ ኸኣ ንዅሉ ሐዲጉ ሰዓቦ።
29 ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ።
30 ፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም።
31 የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።
32 ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።
33 ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፥ በልዎ።
34 የሱስ ከኣ፥ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧
35 ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጸሙ እዮም፡ በሎም።
36 ምስላ ድማ መሰለሎም፥ ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቍራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ።
37 ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቆ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይባላሾ።
38 ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ።
39 ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።

 

1 ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሐዉ፡ በእዳዎም እናሐሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ።
2 ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፥ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ አሎኹም፧ በልዎም።
3 የሱስ ከኣ፥ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ዝገበሮ፡
4 ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብኤ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዔ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም።
5 ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም።
6 ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሃረ። ኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።
7 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፥ እስኪ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ።
8 ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፥ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ።
9 የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢሉ እሐተኩም አሎኹ፡ በሎም።
10 ናብ ኵሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፥ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት።
11 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ።
12 ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ።
13 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፡
14 ስምኦን፡ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ፡ እንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡
15 ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተበህለ ስምኦንን፡
16 ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን።
17 ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በለ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዮ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ኪሰምዕዎ ኻብ ሕማሞምውን ኪሐውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ።
18 እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሐወዩ።
19 እቶም ህዝቢ ኸኣ ኵላቶም ኪትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዮም።
20 ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።
21 ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።
22 ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።
23 እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን።
24 ኣቱም ሃብታማት ግን፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም’
25 ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩ ክትሐዝኑን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
26 ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።
27 ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።
28 ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ።
29 መትልሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ።
30 ንዝለመንካ ዘበለ ሃብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ።
31 ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።
32 ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧
33 ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም።
34 ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም።
35 ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።
36 ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ።
37 ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።
38 ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።
39 ብምስላ ኸኣ በሎም፥ ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን፧
40 ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን።
41 ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ግና ዘይተስተብህል፧
42 ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓንይኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጕንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ።
43 ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ የልቦን።
44 ኵሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩእሞ፡ ካብ እሾዅ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ።
45 ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።
46 ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧
47 እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ክርእየኩም እየ፥
48 ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ኣዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ።
49 እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።

 

1 ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።
2 ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ።
3 ወረ የሱስ ምስ ሰምዔ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ።
4-5 ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፥ ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ።
6 የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቃ ሚእቲ ኣዕሩኽ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም።
7 ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ።
8 ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለውኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ።
9 የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዓብዎ ህዝቢ፥ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም’
10 እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሰ ድማ፡ እቲ ሐሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ።
11 ንጽቢሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።
12 ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ።
13 ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪ፡ በላ።
14 ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
15 እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሃባ።
16 ንዅሎም ፍርሃት ሐዞም፥ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።
17 እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ።
18 ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዅሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ።
19 ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፥ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፡ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም።
20 እቶም ሰባት ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፥ ዮሃንስ መጥመቕ፥ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኡሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ።
21 ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሃቦም።
22 የሱስ ከኣ፥ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሑ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ አሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ።
23 ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
24 እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፥ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧
25 እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብኣይዶ፧ እንሆ ንኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ።
26 እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዓቢ እብለኩም አሎኹ።
27 እቲ፥ እንሆ፡ መንገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ።
28 ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዓቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም አሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዓብዮ።
29 ኵሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ።
30 ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዓቕዎ።
31 እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧
32 ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፥ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን፡ ዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ።
33 ዮሃንስ መጥመቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፥ ጋነን ኣለዎ፡ ትብሉ፥ አሎኹም።
34 ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ አሎኹም።
35 ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ጸደቐት።
36 ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
37 እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤት።
38 ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።
39 እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፥ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ።
40 የሱስ ከኣ፥ ስምኦን፡ ዝብለካ አሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ።
41 ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ።
42 ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧
43 ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐደገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈርድካ፡ በሎ።
44 ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት።
45 ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን።
46 ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት።
47 ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር።
48 ንኣእ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ።
49 እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ።
50 ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።

 

1 ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ።
2-3 ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
4 ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
5 ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ።
6 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ።
7 ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ።
8 ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቖለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ።
9 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እዚ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
10 ንሱ በሎም፥ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ።
11 እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ።
12 እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ከይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።
13 ኣቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ።
14 እቲ ኣብ እሾኽ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፥ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን።
15 እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም።
16 ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን።
17 ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን።
18 እምብኣርከ ንዘለዎ ኺወሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እተሰምዑ ተተንቀቑ።
19 ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን።
20 ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።
21 ንሱ ኸኣ፥ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም።
22 ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፥ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን።
23 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሐዞም።
24 ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፥ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ።
25 ሽዑ፥ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፥ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሃሉ ተደነቑ።
26 ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ።
27 ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፥ ኣጋንንቲ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ።
28 ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፥ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፥ ምሳኻኸ እንታይ አሎኒ፡ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሊኹ፡ በሎ።
29 ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሐዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሃለው የብሎ ነበረ።
30 የሱስ ከኣ፥ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ ለጌዎን፡ በለ።
31 ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
32 ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም።
33 እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ።
34 እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ።
35 እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ።
36 እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየ፡ ነገርዎም።
37 እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ።
38 እቲ ኣጋንንቲ ዝወጸሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፥
39 ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበርልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ።
40 ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኵሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቀበልዎ።
41 እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ።
42 ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ።
43 እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኩሉ ገንዘባ ንሓኻይም ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ክፍውሳ ኣይከኣለን።
44 ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ።
45 የሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኵሎም፥ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑ፥ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ።
46 የሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ አሎ፡ በሎ።
47 እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብኤት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ።
48 ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
49 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፥ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸ።
50 የሱስ ሰሚዑ፥ ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ።
51 ኣብታ ቤት ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን።
52 ኵሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፥ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ።
53 ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሐቕዎ።
54 ንሱ ኸኣ ንዅሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ቢኢዳ ሒዙ ዓው ኢሉ፥ ኣቲ ጓል ተንስኢ፡ በለ።
55 ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ።
56 ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።

 

1 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሃቦም።
2 መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም።
3 በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሃሉኹም።
4 ኣብታ ዝኣቶኩምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ።
5 ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ።
6 ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዞሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኵሉውን የሕውዩ ነበሩ።
7 ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብኣኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋለወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡
8 ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፥ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ።
9 ሄሮድስ ከኣ፥ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ።
10 ሃዋርያት ድማ ምስ ተመለሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ- ሳይዳ እትብሃል ከተማ ምስኡ ወሰዶም።
11 እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዓብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኸኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም።
12 ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፥ ኣብዚ ኣብ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ ኣዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ።
13 ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዅሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሐሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ።
14 ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም።
15 ከምኡ ገበሩ ንዅሉምውን ኣቐመጥዎም።
16 ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኬቕርብሎም ሃቦም።
17 ኵሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቈረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።
18 ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፥ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም።
19 ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለስሉ።
20 ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
21 ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፥
22 ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዓቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም።
23 ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ።
24 ምድሓን ነፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ።
25 ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡
26 ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።
27 ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሉም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
28 ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ።
29 ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳዉንቱውን ብርቅርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ።
30 እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ።
31 ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ።
32 ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ።
33 ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፥ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፥ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ።
34 ንሱ እዚ ኪዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ።
35 ካብቲ ደበና ድማ፥ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
36 እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ፡ ንየሱስ በይኑ ረከብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቅነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን።
37 ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ።
38 እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣለኹ፡ እናበለ ጨርሔ።
39 እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠራዕራዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቀጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ።
40 ንደቀ መዛሙርትኻ ኼውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ።
41 የሱስ ከኣ፥ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጻዮ፡ ኢሉ መለሰሉ።
42 ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሃቦ።
43 ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥
44 ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪውሃብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትዉዎ፡ በሎም።
45 ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዓልዋን፡ ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎውን ፈርሁ።
46 ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዓቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም።
47 የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፥
48 ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነዚ ዝለኣኸኒ ይቅበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ።
49 ዮሃንስ ከኣ፥ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ።
50 የሱስ ከኣ፥ ዘይከራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ።
51 ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገቱ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ።
52 ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኣተዉ።
53 ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን።
54 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ።
55-56 ምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ።
57 ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፥ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ።
58 የሱስ ከኣ፥ ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጽግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ።
59 ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ።
60 የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ።
61 ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ።
62 የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።

 

1 ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
2 በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ።
3 መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ።
4 ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ።
5 ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ።
6 ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።
7 ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ።
8 ኣብ ዝኣቶኩምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኹም ብልዑ።
9 ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም።
10 ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም፥
11 እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም አሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ።
12 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም አሎኹ።
13 ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን።
14 ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ኪቐልል እዩ።
15 ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ።
16 ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።
17 እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ።
18 በሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ።
19 እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን።
20 ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።
21 በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፥ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ አሎኹ።
22 ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ከኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።
23-24 ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፥ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
25 እንሆ ኸኣ ፡ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ መምህር ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ።
26 ንሱ ከኣ፥ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧ በሎ።
27 ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
28 ንሱ ኸኣ፥ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ።
29 ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፥ ብጻየይከ መን እዩ፡ በሎ።
30 የሱስ መሊሱ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ።
31 ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ።
32 ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ።
33 ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ።
34 ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ።
35 ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ።
36 ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧
37 ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።
38 ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ።
39 ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት።
40 ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ።
41 የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ።
42 እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና፡ በሎ።
2 ንሱ ኸኣ በሎም፥ ክትጽልዩ ኸሎኹም፥ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
3 ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሃበና።
4 ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ ሓጢያትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ።
5-6 በሎም ድማ፥ መን እዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቃ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፥ ዓርከይ፡ ፈታዊ ካብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ ኣሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡
7 እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡፥ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ።
8 ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም አሎኹ።
9-10 ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃህዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺውሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ
11 ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡
12 ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧
13 እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧
14 ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ።
15 ገሊኦም ግና፥ ነጋንንቲ ብብኤል- ዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ።
16 ካልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ።
17 ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፋላለይት፡ ትወድቕ እያ።
18 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፈላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፡
19 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል- ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቕኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም።
20 ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት።
21 እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን።
22 ካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ።
23 ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ።
24 ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፥ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል።
25 ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ።
26 ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ።
27 ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፥ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ።
28 ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ።
29 እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ኪብል ጀመረ፥ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሃቦን።
30 ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ።
31 ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽትዅንኖ እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ እሎ።
32 ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዅንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ አሎ።
33 ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን።
34 ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ኰነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን።
35 እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ።
36 ኵሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነ፡ ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃኑ ዜብርሃልካ፡ ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ።
37 ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
38 እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምሕጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ።
39 ጐይታ ኸኣ በሎ፥ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ።
40 ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባን ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧
41 ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።
42 ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።
43 ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
44 ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ከም ዘይርኤን፡ ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሊኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
45 ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፥ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና አሎኻ፡ በሎ።
46 ነሱ ኸኣ በለ፥ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
47 ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ አሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።
48 ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ አሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ አሎኹም።
49 ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፥ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ አሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን ኣለዉ።
50-51 ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኪደለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ፡ እብለኹም አሎኹ።
52 ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
53 እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩ።
54 ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፋ ደልዮም እናተጻናተዉ ብብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ።

 

1 ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺብሎም ጀመረ፥ ቅድሚ ዅሉ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ።
2 ግናኸ ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን።
3 ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሻጠ ብሕሽዅሽዅ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎም ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበክ ኣዩ።
4 ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም አሎኹ፥ ስጋ ንዚቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ብዜብሎም ኣይትፍርህዎም።
5 ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍርሁ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም አሎኹ።
6 ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ።
7 ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጉሪ ርእስኹም እኳ ቝጽራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ።
8 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ።
9 እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚክሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
10 ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ።
11-12 ናብ ኣባይቲ ጸሎት ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ።
13 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ።
14 ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ።
15 ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም።
16 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ።
17 ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሐሰበ።
18 ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ።
19 ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ።
20 ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ።
21 እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።
22-23 ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ ኣብለኩም አሎኹ።
24 ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፥ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ።
25 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚክእል መን አሎ፧
26 እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምይታይ ደኣ ብካልእ እትጭነቑ፧
27 ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም አሎኹ።
28 ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጕድላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ከመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧
29 ንስካትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑን።
30 ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ኸም ዜድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።
31 መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ።
32 ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ።
33-34 ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ።
35 ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን።
36 ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ።
37 እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
38 ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም።
39 ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።
40 ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።
41 ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘሎኻ ወይስ ንዅሉ ኢኻ፧ በሎ።
42 ጐይታ ኸኣ በለ፥ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኪህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፡
43 እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ።
44 ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
45 እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡
46 ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኺገብሮ እዩ።
47 እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዚግብኦ እዩ።
48 እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም።
49 ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧
50 ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይትጸበኒ።
51 ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም አሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም አሎኹ።
52 ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ኪፋላለዩ እዮም።
53 ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ፡ ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።
54 ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፥ ዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን።
55 ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፥ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን።
56 ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧
57 ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፧
58 ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድኻ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲ ኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል።
59 እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ እብለካ አሎኹ።

 

1 በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸንበሮም ገሊላውያን ነገርዎ።
2 የሱስ መሊሱ በሎም፥ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም አሎ፧
3 ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
4 ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጥኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧
5 ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
6 እዚ ምስላዚ ከኣ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን።
7 ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኽብኩላን። ቍረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ ኣላ፧ በሎ።
8 ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ።
9 ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
10 ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ።
11 እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጐቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን።
12 የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ አሎኺ፡ በላ።
13 ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ።
14 እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ኪዕየየን ዚግባእ ሹዱሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምበኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም።
15 ጐይታ ግና፥ ኣታ ግቡዝ፡ ካባካትኩምከ ዅሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧
16 እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ።
17 እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዅሎም ሐፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሐጐሰ።
18 ድሕርዚ በለ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧
19 ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ።
20 ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧
21 ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ እያ እትመስል፡ በለ።
22 ኣብ ከተማታት ኣብ ዓድታትን እናመሃረ ይመለለስ ነበረ። መገዲ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕነዑ ነበረ።
23 ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፡ በሎ።
24 ንሱ ኸኣ በሎም፥ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።
25 ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፥ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰሎኩም እዩ።
26 ሽዑ፥ ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።
27 ንሱ ኸኣ፥ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኪብል እዩ።
28 ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስካትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
29 ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።
30 እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚኰኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ።
31 በታ ጊዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ አሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ።
32 ንሱ ኸኣ በሎም፥ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፥ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውድእ አሎኹ።
33 ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክመላለስ ይግባኣኒ እዩ፡ በሎም።
34 የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም።
35 እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓለቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ኪበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ።
2 እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሔ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
3 የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም።
4 ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን።
5 መሊሱ ድማ በሎም፥ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቖ፡ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን አሎ፧
6 ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ።
7 ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረኣየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥
8 ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡
9 እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር።
10-11 ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ።
12 ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ።
13 ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ።
14 ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።
15 ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፥ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ።
16 ንሱ ኸኣ በሎ፥ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፡ ንብዙሓት ዓደመ።
17 ኣብቲ ጊዜ ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ፡ ንዑ ኪብሎም ባርያኡ ለኣኸ።
18 ኵሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ግራት ዓዲገ አሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ።
19 እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ አሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ።
20 እቲ ሳልሳይ ከኣ፥ ሰበይቲ ኣእትየ አሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ በሎ።
21 እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፥ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ፡ በሎ።
22 እቲ ባርያ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ስፍራ ድማ ገና አሎ፡ በሎ።
23 እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ።
24 ካብቶም እተዓደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
25 ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም፥
26 ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
27 መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን።
28-30 ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧
31 ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧
32 እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ።
33 ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
34 ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧
35 ንወጻኢ ይጕሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

 

1 ኵሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ።
2 ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፥ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጕረምረሙ።
3 እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥
4 ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዝረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ክደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧
5 ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ።
6 ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፥ ነታ ዝጠፍኤትኒ በጊኤይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም።
7 ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
8 ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ፡ ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ፡ ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዅስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧
9 ምስ ረኸበታ ድማ፥ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሳ፡ ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዔን።
10 ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
11 በለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ።
12 እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፥ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሃበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም።
13 ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ።
14 ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ።
15 ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ።
16 ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን።
17 ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ።
18 ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሕጢኣት ገበርኩ።
19 ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ።
20 ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ።
21 እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ።
22 ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ።
23-24 እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
25 እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ።
26 ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ።
27 ንሱ ኸኣ፥ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪድሉ፡ በሎ።
28 ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ።
29 ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን።
30 እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ።
31 ንሱ ኸኣ፥ ወደይ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ።
32 እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግባኣና እዩ፡ በሎ።

 

1 ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፥ ገንዘብካ ይብትነልካ አሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ።
2 ጸዊዑ ኸኣ፥ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሃበኒ፡ በሎ።
3 እቲ ኣዛዚ ኸኣ ብልቡ፥ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧
4 ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዓረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።
5 ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፥ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ አሎኻ፧ በሎ።
6 ንሱ ኸኣ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሀፍ፡ በሎ።
7 ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፥ ንስካኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፥ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ።
8 ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጸኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዝገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ።
9 ኣነ ኸኣ፥ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም አሎኹ።
10 ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
11 እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧
12 ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧
13 ሐደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
14 እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዅሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ።
15 በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።
16 ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኵሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ።
17 ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል።
18 ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።
19 ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።
20 ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ።
21 ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ።
22 ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን።
23 ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረኣየ።
24 ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ።
25 ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ።
26 ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ።
27-28 ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ።
29 ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ።
30 ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ።
31 ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

 

1 ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፥ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ።
2 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ።
3 ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ።
4 ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።
5 ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፥ እምነት ወስኸና፡ በልዎ።
6 ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።
7 ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ፡ ዚብሎ መን አሎ፧
8 ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፥
9 ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን።
10 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።
11 ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ።
12-13 ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎምከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፥ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ።
14 ንሱ ርእይዎም፥ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ።
15 ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ።
16 እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ።
17 የሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡
18 ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ።
19 ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።
20-21 ፈሪሳውያን፥ መንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።
22 ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፥ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ከመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም።
23-24 መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቲ ኪኸውን እዩ እሞ፥ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ አሎ፡ ኪብልኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዓብዎምን።
25 ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዓቕ ብግዲ እዩ።
26 ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።
27 ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ።
28 ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፥ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ።
29 በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ።
30 በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
31 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ።
32 ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።
33 ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ።
34 በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ።
35 ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ።
36 ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
37 መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም።

 

1 ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡
2 ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ።
3 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት።
4 እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡
5 እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ።
6 ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ።
7 ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧
8 ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧
9 ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥
10 ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ።
11-12 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።
13 እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።
14 ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ።
15 ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም።
16 የሱስ ግና ጸዊዑ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም።
17 ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
18 ሓደ መራሕ ድማ፥ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፡ ኢሉ ሐተቶ።
19 የሱስ ከኣ፥ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፡ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን።
20 ነተን፥ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ።
21 ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ አሎኹ፡ በለ።
22 የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፥ ገናኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒ፡ በሎ።
23 ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ።
24 የሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩ፥ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።
25 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ በለ።
26 እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፡ በሉ።
27 ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከአሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣአሎ እዩ፡ በሎም።
28 ሽዑ ጴጥሮስ፥ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሐዲግና ስዒብናካ አሎና፡ በሎ።
29-30 ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
31 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ።
32 ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ኪጸርፍዎ ጡፍውን ኪብሉሉ፡
33 ገሪፎም ድማ ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።
34 ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።
35 ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
36 እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተ።
37 የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሐልፍ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
38 ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ጨርሔ።
39 እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሔ።
40-41 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ።
42 የሱስ ድማ፥ ርኤ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።
43 ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዓቦ። እቶም ህዝቢ ዅሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።

 

1 የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእኣ ሐለፈ።
2 እንሆ፡ ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ።
3 ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ። ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ ምኽኣል ሰኣነ።
4 ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ።
5 የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፥ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኸውዕል ይግብኣኒ እዩእሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ።
6 ቀልጢፉ ወረደ ተሐጕሱውን ተቐበሎ።
7 እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ።
8 ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ።
9-10 የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ንስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላ፡ በሎ።
11 ንሳቶም እዚ ኺስምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ።
12 ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ።
13 ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም።
14 ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ።
15 ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኸፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ።
16 እቲ ቐዳማይ፥ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ።
17 ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ።
18 እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ።
19 ነዚ ድማ፥ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ።
20-21 ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ።
22 ንሱ ድማ፥ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ አሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡
23 ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረፍቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ።
24 ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ፡ በሎም።
25 ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ።
26 ንሱ ድማ፥ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኼግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።
27 ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ።
28 እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ደፍኤ።
29 ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተ-ፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል ከረን ምስ ቀረበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥
30 ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ።
31 ሓደ፥ ስለምንታይ ትፈትሕዎ አሎኹም፥ ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፥ ጐይታ ይደልዮ አሎ፡ በልዎ።
32 እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ።
33 ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፥ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ አሎኹም፧ በልዎም።
34 ንሳቶም ድማ፥ ጐይታ ይደልዮ አሎ፡ በልዎም።
35 ናብ የሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ።
36 ንሱ ኪኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ።
37 ናብ መወዳእታ ቝልቍል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎን ጀመሩ እሞ፡
38 ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ።
39 ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ።
40 ንሱ ኸኣ፥ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
41 ምስ ቀረበን ነታ ኽተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፥
42 ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልቲኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓንይንኺ ተኸዊሉ አሎ።
43 ጻላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም።
44 ዘመን ምሕረትኪ ሳኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።
45 ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን፥
46 ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ አሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ኬውጽእ ጀመረ።
47 ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።
48 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዓስሎ ነበረ እሞ፡ ዚገብርዎ ሰአኑ።

1 ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ መቕደስ ኪምህሮም ወንጌልውን ኪሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም፥
2 በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሃበካ፧ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
3 ንሱ ኸኣ፤ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም አሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ፤
4 ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም።
5 ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ኪብለና እዩ።
6 ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኺጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሐስቡ ስለ ዝነበሩ፡
7 ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ፡ መለሱሉ።
8 የሱስ ከኣ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።
9 ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኺነግሮም ጀመረ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ኪድንጕ ናብ ካልእ ሃገር ከደ።
10 ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኺህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለአኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ።
11 ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቐዖም፡ ኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ።
12 መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቝሲሎም ንወጻኢ ሰጐጕዎ።
13 እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ በለ።
14 እቶም ዓያይቲ ግና ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፥ እዚ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንዑ ንቕተሎ፡ ኢሎም ተማኸሩ።
15 ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ፧
16 መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑ፥ ያእ ኣይግበሮ፡ በሉ።
17 ንሱ ግና ጠሚትዎም፥ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዚብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧
18 ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኺስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ኪጭፍለቕ እዩ፡ በለ።
19 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ።
20 ተጻናትዮም ብዘረባ ኺሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኺህብዎ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም ዚጻናጸኑ ሰደዱ።
21 ንሳቶም ከኣ፥ መምህር፡ ብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን፡ ንፈልጥ አሎና።
22 ንቄሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሐተትዎ።
23 ንሱ ግና ጕርሖም ፈሊጡ፥ ንምንታይከ ትፍትኑኒ አሎኹም፧
24 እቲ ዲናር ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ናይ ቄሳር፡ በሉ።
25 ንሱ ድማ፥ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሃቡ፡ በሎም።
26 ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኺሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪሞም ኣጽቀጡ።
27 ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሐተትዎ፡
28 ከምዚ ኢሎም፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓዉ ሓድጊ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና።
29 እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቕዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ።
30 እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ።
31 እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ፡ ከምእውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሐደጉ ሞቱ።
32 መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት።
33 እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧
34 የሱስ ከኣ በሎም፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም።
35-36 እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምኳኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም፥ ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከአሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም።
37 ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ንእግዝኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ።
38 ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን።
39 ሓይሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፥ መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ኢሎም መለሰሉ።
40 ድሕርዚ ገለ ኺሐትዎ እኳ ኣይደፈሩን።
41-43 ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፥ ጐይታ ንጐይታይ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማንይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዚብሉ፧
44 እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፥ ከመይ ኢሎ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።
45 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኺሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥
46 ወለል ብዚብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዚፈትዉ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ።
47 እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም።

 

1 ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረኣየ።
2 ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረኣየ እሞ፥
3 ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
4 እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።
5 ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡
6 እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈሉ መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ።
7 ንሳቶም ከኣ፥ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፡ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
8 ንሱ ኸኣ፥ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።
9 ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
10 ሽዑ በሎም፥ ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ።
11 ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።
12 ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማትን ኬብጽሑኹም እዮም።
13 እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ።
14-15 ኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከአሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።
16 ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ካባካትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም።
17 ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ።
18 ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ።
19 ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።
20 የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።
21 ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።
22 እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ።
23 በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ኣብ ምድሪ በርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩእሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ።
24 ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኵሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍጸም፡ የሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ።
25 ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ።
26 ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ፡፡
27 ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።
28 እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።
29 ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርኣዩ።
30 ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
31 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ።
32 እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ።
33 ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።
34-35 ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያእሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።
36 ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።
37 መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ።
38 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኺሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።

 

1 ፋስጋ ዚብሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ።
2 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።
3 ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል ይሁዳ ኣተወ፡ ንሱ ኻብ ቍጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡
4 ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞ፡ ተዛረበ።
5 ተሐጕሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህብዎ ኣውዓሉሉ።
6 ንሱ ድማ ተሳማምዖም፡ ኣኬባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
7 እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ ዚግባእ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት።
8 የሱስ ድማ ንጴጥሮስ ዮሃንስን፥ ኪዱ ክንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም።
9 ንሳቶም ከኣ፥ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፧ በልዎ።
10 ንሱ ድማ በሎም፥ እንሆ፥ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዓብዎ።
11 ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፥ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህር፡ በልዎ።
12 ንሱ ኸኣ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ።
13 ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።
14 እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
15-16 ንሱ ድማ፥ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ፡ በሎም።
17-18 ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ፡ በለ።
19 እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም።
20 ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።
21 ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ።
22 ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ፡ በለ።
23 ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪማራመሩ ጀመሩ።
24 መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ።
25 ሽዑ ንሱ በሎም፥ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሃሉ።
26 ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን።
27 እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜግልገልንከ ኣየናዮም ይዓቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ።
28 ንስኻትኩም ግና ብፈተና ምሳይ እተዓገሰኩም ኢኹም።
29-30 ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።
31 ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ።
32 ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም።
33 ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ አሎኹ፡ በሎ።
34 ንሱ ኸኣ፥ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለሰተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
35 ደሓር ከኣ፥ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ሓንቲ እኳ በሉ።
36 በሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡
37 ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም አሎ።
38 ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ አሎ፡ በሉ። ንሱውን፥ ይኣክል፡ በሎም።
39 ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ሰዓብዎ።
40 ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም።
41 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፥
42 ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ።
43 ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ።
44 ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኻኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።
45 ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም።
46 ንሱ ኸኣ፥ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም።
47 ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዚበሃል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ኪስዕሞ ቐረበ።
48 የሱስ ድማ፥ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ አሎኻ፧ በሎ።
49 እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፥ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ።
50 ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ።
51 የሱስ ከኣ፥ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ።
52 የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፥ ከም ናብ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፡
53 ኣብ ቤተ መቕደስ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም።
54 ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ።
55 ኣብ ማእከል እቲ መከበባያ ከኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንስእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማከሎም ተቐመጠ።
56 ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፥ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት።
57 ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ኸሐደ።
58 ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፥ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ።
59 ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሐለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፥ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ።
60 ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ክኦዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ።
61 ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፥ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡
62 ናብ ወጻኢ ከይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ።
63 እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ሰባት ድማ የላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ።
64 ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፥ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፡ እናበሉውን ይሐትዎ ነበሩ።
65 እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ።
66-67 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፥ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፥ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡
68 እንተ ሐተትኩኹም ድማ፡ ኣይትምልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም።
69 ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ፡ በሎም።
70 ኵሎም ከኣ፥ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ አሎኹም፡ በሎም።
71 ንሳቶም ከኣ፥ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ።

 

1 እቶም እተኣከቡ ዅላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ።
2 ንሳቶም ከኣ፥ እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፥ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ኪኸስዎ ጀመሩ።
3 ጲላጦስ ከኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሕተቶ። ንሱ ድማ፥ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
4 ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፥ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን፡ በሎም።
5 ንሳቶም ግና፥ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የባዕድ አሎ፡ ኢሎም ወዓዩ።
6 ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኺብሉ ምስ ሰምዔ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሐተተ።
7 ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ።
8 ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣየ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዔ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገብሮ ተኣምራትውን ኪርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሐጐሰ።
9 ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሐተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን።
10 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ።
11 ሄሮድስ ድማ ምስ ገላዉኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ።
12 ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ።
13 ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ንህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፥
14 ነዚ ሰብኣይ እዚ፥ ንህዝቢ የስሕት አሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኽስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን።
15 ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን።
16 ደጊም ቀጺዔ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም።
17 በብበዓል ግና ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልማድ ነበረ።
18 እቶም ህዝቢ ድማ ኵሎም፥ ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና፡ ኢሎም ሐቢሮም ጨደሩ።
19 በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ንፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።
20 ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ኪሰዶ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም።
21 ንሳቶም ግና፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ።
22 ሳልሳይ ጊዜ ኸኣ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረ፡ ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ፡ በሎም።
23 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ኪሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዓረ።
24 ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ኪዀነሎም ፈረደ።
25 ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሃቦ።
26 ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ካብ በረኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ሐዝዎ። ደድሕሪ የሱስ ኪጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ።
27 ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ።
28-29 የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ።
30-31 ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን።
32 ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኺስቀሉ ኣምጽእዎም።
33 ቀራንዮ ኣብ እትብሃል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቕልዎም።
34 የሱስ ድማ፥ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ በደሎም ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ።
35 እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፥ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።
36-37 እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ።
38 ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፥ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ።
39 ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ።
40 እቲ ኻልኣዩ ግና፥ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧
41 ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ።
42 ንየሱስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ።
43 የሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
44 ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኵላ ምድሪ ጸልማት ኰነ።
45 ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ።
46 የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፥ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት።
47 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ።
48 እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ።
49 እቶም ዚፈልጥዎ ዅሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዓብኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ።
50-51 እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን።
52 ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ።
53 ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞ፡ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ።
54 መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት።
55 እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ከኣ ኸመይ ከም እተነብረን ረኣያ።
56 ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዓረፋ።

 

1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ።
2 እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ።
3 ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን።
4 ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ።
5 ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፥ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ አሎኽን፡
6-7 ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሃብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን።
8 ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ።
9 ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም።
10 እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን።
11 እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን።
12 ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ።
13 እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።
14 ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ።
15 ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ።
16 ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ።
17 ንሱ ድማ፡ እዚ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም።
18 እቲ ሐደ ካብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፥ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።
19 ንሱ ኸኣ፥ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፥ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡
20 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡
21 ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ።
22 ግናኸ ካባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና።
23 ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና።
24 ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን።
25 ንሱ ድማ፥ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡
26 ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም።
27 ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።
28 ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ።
29 ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ።
30 ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም።
31 ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።
32 ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሃሉ።
33 በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም።
34 ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ።
35 እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎን፡ ነገርዎም።
36 እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።
37 ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ።
38 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧
39 ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም።
40 እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።
41 ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ አሎኹም፡ በሎም።
42 ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ።
43 ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ።
44 ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም።
45 ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥
46 ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡
47 ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ።
48 በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።
49 እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።
50 ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
51 ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
52 ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
53 ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...