ጽማቝ ሓሳባት  የዮሐንስ ወንጌል (John)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

የዮሐንስ ወንጌል (John)

1 ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።
2 እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።
3 ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።
4 ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።
5 ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን።
6 ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ።
7 ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ።
8 ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።
9 እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።
10 ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን።
11 ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።
12 ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።
13 ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።
14 እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
15 ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ።
16-17 ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡
18 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።
19 ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥
20 ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን።
21-22 ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ።
23 ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም።
24 እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ።
25 ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
26 ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ።
27 እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ።
28 እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ።
29 ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።
30 እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ።
31 ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ።
32 ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ።
33 እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን።
34 ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።
35 ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ።
36 ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።
37 እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ።
38 የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በሎዎ።
39 ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት።
40 ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ።
41 ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲሕ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ።
42 ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ- ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ።
43 ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ።
44 ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ።
45 ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ።
46 ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬት ገለ ሰናይ ኪመጽእ’ዶ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ።
47 የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ።
48 ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ።
49 ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
50 የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
51 ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

 

1 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት።
2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ።
3 ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፥ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ።
4 የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ።
5 ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ፡ በለቶም።
6 ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ።
7 የሱስ፥ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ።
8 ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።
9 እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥
10 ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ።
11 የሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ።
12 ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ።
13 ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ።
14 ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።
15 ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ።
16 ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።
17 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።
18 ሽዑ ኣይሁድ፥ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለስሉ።
19 የሱስ ድማ፥ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
20 እቶም ኣይሁድ ከኣ፥ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ።
21 ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ።
22 ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበለ ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ።
23 ነቲ፡ የሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ።
24-25 የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።

 

1 ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።
2 ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።
3 የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
4 ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ’ዶ እዩ፧ በሎ።
5 የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።
6 ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።
7 ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።
8 ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ።
9 ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ።
10 የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧
11 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።
12 ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧
13 ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።
14-15 ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።
16 ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
17 ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
18 ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ።
19 እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።
20 ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን።
21 እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።
22 ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ።
23-24 ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ።
25 ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ።
26 ናብ ዮሃንስ መጺኦም፥ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡ በልዎ።
27 ዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለ፥ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ።
28 ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም።
29 እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ።
30 ንሱ ኺዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።
31 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ።
32 ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር።
33 እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ።
34 ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር።
35 ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሃቦ።
36 ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

 

1 ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፦
2 ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፦
3 ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ።
4 ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ።
5 ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ።
6 ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።
7 ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ።
8 ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።
9 ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧ በለቶ።
10 የሱስ ድማ፥ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ።
11 እታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧
12 ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧ በለቶ።
13 የሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ።
14 እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።
15 እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡ በለቶ።
16 የሱስ ከኣ፥ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ።
17 እታ ሰበይቲ መሊሳ፥ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ።
18 ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ።
19 እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ።
20 ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ።
21 የሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ።
22 ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
23-24 ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
25 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ።
26 የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ።
27 ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፥ እንታይ ትደሊ፡ ወይስ፥ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ አሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን።
28 እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሐዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፥
29 ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም።
30 ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ።
31 ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ።
32 ንሱኸኣ፥ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ አሎኒ፡ በሎም።
33 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፥ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሃሉ።
34 የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።
35 ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።
36-37 ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዓጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ።
38 ኣነ ንኣካትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዓሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም።
39 ስለቲ እታ ሰበይቲ፥ ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ።
40 እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዓለ።
41 ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ።
42 ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።
43-44 ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ።
45 ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣ ናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ።
46 የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ።
47 ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ።
48 ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም፡ በሎ።
49 እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ።
50 የሱስ ድማ፥ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ።
51 ኪወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፥ ወድኻ ሐውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ።
52 ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፥ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡ በልዎ።
53 ሽዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፥ ወድኻ ሐውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ።
54 የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣዩ እዩ።

 

1 ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ።
2 ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤት-ሄስዳ ዚብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ።
3 ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕውራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ።
4 እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እንተንሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ።
5 ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኣ ነበረ።
6 የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፡ በሎ።
7 እቲ ሕሙም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ።
8 የሱስ ከኣ፥ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ።
9 እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።
10 ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፥ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ።
11 ንሱ ግና፥ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም።
12 ንሳቶም፥ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
13 እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን።
14 ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፥ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።
15 እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም።
16 ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።
17 የሱስ ግና፥ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
18 ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ።
19 የሱስ መሊሱ በሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።
20 ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስካትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዝዓቢ ግብሪውን ከርእዮ እዩ።
21 ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።
22-23 ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ።
24 እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
25 እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
26 ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትህልዎ፡ ህይወት ሃቦ።
27 ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ።
28-29 ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።
30 ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ።
31 ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ።
32 ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ አሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምኳኑ እፈልጥ አሎኹ።
33 ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ።
34 እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል አሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን።
35 ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም።
36 ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር አሎኒ።
37 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን።
38 በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን።
39 ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ።
40 ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።
41 ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቅበልን እየ።
42 ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ።
43 ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።
44 ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፡
45 ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸስኩምሲ አሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ።
46 ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።
47 ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፡

1 ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ከደ።
2 ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዓብዎ።
3 የሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ።
4 ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ።
5 ሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ፡ ንፊልጶስ፥ እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ።
6 እቲ ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ።
7 ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
8 ካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፥
9 ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ አሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧ በሎ።
10 የሱስ ከኣ፥ ኣቐምጥዎም፡ በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ ተቐመጡ፡ ቍጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዚኣኽሉ ነበሩ።
11 የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሃቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎም።
12 ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም።
13 ስለዚ ኣከብዎ፡ ተረፍ እቶም ዝበልዑ ካብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኡ።
14 እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ፥ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ።
15 የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ።
16 ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ።
17 ኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ።
18 እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ።
19 ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ፡ ርእዮም ፈርሁ።
20 ንሱ ግና፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም።
21 ሽዑ ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፡ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ዘለዉ ምድሪ በጽሔት።
22 ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኽልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፦
23 ግናኸ ኻልኦት ጀላቡ ካብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኸ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ፦
24 ሽዑ እቶም ዝህቢ፡ የሱስ ኰነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃለቡ ኣትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ።
25 ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፥ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፡ በልዎ።
26 የሱስ ድማ፥ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
27 ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ’ ኢሉ መለሰሎም።
28 ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላክ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ።
29 የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም።
30 ስለዚ፥ ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር አሎኻ፧
31 ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ።
32-33 ሽዑ የሱስ፥ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
34 ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ኵሉ ሳዕ ሃበና፡ በልዎ።
35 የሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ።
36 ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፥ ርኢኩምንሲ ኣይኣመንኩምንን።
37 ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።
38 ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።
39-40 ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ።
41 ሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጕረምረሙ እሞ፥
42 እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፡ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ካብ ሰማይ ወረድኩ፡ ይብል አሎ፧ ይብሉ ነበሩ።
43 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ።
44 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሲኦ እየ።
45 ኣብ ነብያትውን፥ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም፡ ዚብል ጹሑፍ አሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ።
46 ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ።
47 እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
48 እንጌራ ህይወት ኣነ እየ።
49 ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ።
50 ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ።
51 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።
52 ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ።
53 የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
54 ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
55 ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ።
56 እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ።
57 ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ።
58 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።
59 ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ።
60 ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ።
61 የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧
62 ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧
63 መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን።
64 የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥
65 ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።
66 ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።
67 ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም።
68 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧
69 ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ።
70 የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
71 እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

 

1 ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ።
2 እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ።
3-5 ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፥ ባዕሉ ኺገሃድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግለጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ።
6 የሱስ ከኣ፥ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ።
7 ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ።
8 ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም።
9 እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ።
10 እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሐቢኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን።
11 ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፥ ኣበይ አሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ።
12 እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፥ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት አሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ።
13 ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን።
14 የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ።
15 ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ።
16 ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፥ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።
17 ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።
18 እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።
19 ሙሴዶ ሕጊ ኣይሃበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፧
20 እቶም ህዝቢ ኸኣ፥ ጋኔን አሎካ፡ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧ ኢሎም መለስሉ።
21 የሱስ ከኣ፥ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዅላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም።
22 ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፦ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እምበር፡ ካብ መሴ ኣይኰነን፦ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ አሎኹም።
23 እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዅርዩለይ አሎኹም፡
24 ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።
25 ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧
26 እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧
27 ግናኸ እዚ ካበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ።
28 የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፥ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።
29 ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ።
30 ስለዚ ኺሕዝዎ ደለዩ። ጊዜኡ ስለ ዝይበጽሔ ግና፡ ኢዱ ዘልዓለሉ የልቦን።
31 ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ።
32 ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላዉኦም ለኣኹ።
33 ስለዚ የሱስ፥ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ።
34 ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም።
35 ስለዚ ኣይሁድ፥ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፡ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ኪምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧
36 ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዚብሎ ቓልሲ እንታይ እዩ፧ ተባሃሃሉ።
37 በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።
38 ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።
39 የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።
40 ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፥ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ።
41 ካልኦትውን፥ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፥ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧
42 እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤት- ልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፡ በሉ።
43 ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ።
44 ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዓለሉ ግና የልቦን።
45 እቶም ገላዉ ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም።
46 እቶም ገላዉ፥ ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን፡ ኢሎም መለሱ።
47 ፈሪሳውያን ከኣ፥ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፡
48 ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ አሎ፧
49 እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።
50 ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፥
51 ግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም።
52 ንሳቶም፥ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ።
53 ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።

1 የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ።
2 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ።
3 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥
4 መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ።
5 ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ።
6 መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ።
7 ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም።
8 ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ።
9 ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ።
10 የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረኣየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ።
11 ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ።
12 ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።
13 ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር አሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ።
14 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም።
15 ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ።
16 ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ።
17 ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ አሎ።
18 ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ።
19 ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ አሎ፡ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ።
20 የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔ፡ ዝሐዞ የልቦን።
21 ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፥ ኣነ እኸይድ አሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም።
22 ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ኪቐትላ ኢሉ፡ በሉ።
23 ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን።
24 ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።
25 ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ።
26 ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ አሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ፡ በሎም።
27 ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን።
28 ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።
29 እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።
30 ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።
31 ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
32 ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
33 ንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ።
34 የሱስ መለሰሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ።
35 ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ይነብር እዩ።
36 ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።
37 ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ አሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡
38 ኣነ ኣብ ኣቦይ ዘርኤኽዎ እዛረብ ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ አሎኹም።
39 ንሳቶም፥ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፥ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።
40 ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን።
41 ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፥ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ አሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላክ እዩ፡ በልዎ።
42 የሱስ በሎም፥ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።
43 ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ።
44 ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
45 ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን።
46 ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን አሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧
47 እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ።
48 ኣይሁድ ከኣ፥ ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለስሉ።
49 ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ አሎኹም።
50 ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደልን ዚፈርድን ግና አሎ።
51 ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
52 ኣይሁድ ድማ፥ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፥ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ ትብል አሎኻ።
53 ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ አሎኻ፧ በልዎ።
54 የሱስ ከኣ፥ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።
55 ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እየ።
56 ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሓጐሰ ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።
57 ኣይሁድ ከእ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ።
58 የሱስ ከኣ፥ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
59 ስለዚ ኺድርብዩሉ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ።

 

1 ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ።
2 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
3 የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ።
4 መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ።
5 ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
6 እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥
7 ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም- ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ።
8 ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፥ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ።
9 ገሊኦም፥ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ።
10 ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ።
11 ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ልኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
12 እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም።
13 ነቲ ቕድም ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።
14 እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት።
15 ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ጽብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም።
16 ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየክብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይክእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ።
17 ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ።
18 እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፥
19 እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም።
20 እቶም ወለዱ ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ።
21 ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ።
22 ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ።
23 ስለዚ እቶም ወለዱ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ።
24 ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡ በልዎ።
25 ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም።
26 ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ።
27 ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
28 ጸረፍዎ እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።
29 ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ።
30 እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።
31 ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና።
32 ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን።
33 እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
34 ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ።
35 የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ።
36 ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ።
37 የሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ።
38 ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን።
39 የሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ።
40 ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ።
41 የሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም።

1 እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
2 እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።
3 ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን።
4 ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ።
5 ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን።
6 የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።
7 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
8 እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን።
9 እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ።
10 ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።
11 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።
12 እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።
13 ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን።
14 ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን።
15 ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ።
16 ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ።
17 ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ።
18 ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ።
19 ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ።
20 ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፥ ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ አሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እተሰምዕዎ፧ በሉ።
21 ካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧ በሉ።
22 ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ።
23 የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።
24 ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ።
25 የሱስ መለሰሎም፥ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ።
26 ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም።
27 እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ።
28 ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን።
29 እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ’ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን።
30 ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።
31 ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ።
32 የሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣያናዪ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
33 ኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለስሉ።
34 የሱስ መለሰሎም፥ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧
35 ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ -ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦
36 ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧
37 ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ።
38 እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።
39 መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ።
40 ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ።
41 ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፥ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፥ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ።
42 ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ አመኑ።

 

1 ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ።
2 ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ።
3 ስለዚ እተን ኣሓቱ፥ ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሐሚሙ አሎ፡ ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ።
4 የሱስ እዚ ሰሚዑ፥ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ።
5 የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቕሮም ነበረ።
6 ምሕማሙ ምስ ሰምዔ፡ ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ።
7 ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም።
8 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትከይድ፧ በልዎ።
9 የሱስ ከኣ፥ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን።
10 እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዜብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
11 እዚ ተዛረበ፡ ድሕርዚ ድማ፥ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም።
12 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ፡ በልዎ።
13 የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም።
14 ሽዑ የሱስ ብግህዶ፥ ኣልኣዛር ሞይቱ፡
15 ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ አሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም።
16 ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ፥ ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም።
17 ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ።
18 ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ።
19 ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ።
20 ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት።
21 ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሐወይ ኣይምሞተን ነይሩ፧
22 ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ አሎኹ፡ በለቶ።
23 የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ።
24 ማርታ ድማ፥ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ አሎኹ፡ በለቶ።
25 የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ።
26 ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ።
27 ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ አሎኹ፡ በለቶ።
28 እዚ ኢላ ኸደት፡ ንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላ፡ መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን አሎ፡ ኢላ ጸውዓታ።
29 ንሳ እዚ ምስ ሰምዔት፡ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ናብኡውን ከደት።
30 የሱስ ኣብታ እተቐበለቶ ስፋር ጸንሔ እምበር፡ ናብ ዓዲ ኣይኣተወን ነበረ።
31 እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውጽኣን ርእዮም፡ ናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዓብዋ።
32 ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፋራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ።
33 ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ፡
34 ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ በልዎ።
35 የሱስ ነብዔ።
36 ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዩ፡ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ።
37 ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ።
38 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘ፡ ናብቲ መቓብርውን መጸ፦ እዚ ግና ብእምኒ እተዓጸወ በዓቲ እዩ፦
39 የሱስ፥ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ።
40 የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ።
41 ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ አሎኹ።
42 እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ አሎኹ፡ በለ።
43 እዚ ምስ በለ፥ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ።
44 እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእስሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም።
45 ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ አመኑ።
46 ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም።
47 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧
48 ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ።
49 ሓደ ኻባታቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡
50 ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም።
51 በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን።
52 ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን።
53 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
54 ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ፡ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን። ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ።
55 ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ።
56 ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶም፥ እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሃሉ።
57 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብረሎም ኣዘዙ።

 

1 ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ።
2 ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ።
3 ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት።
4 ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥
5 እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ።
6 እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ።
7-8 ስለዚ የሱስ፥ ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ።
9 ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላዉ ፈሊጦም መጹ። ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ።
10-11 ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
12 ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ፡
13 ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።
14-15 ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ።
16 ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ።
17 እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።
18 ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ።
19 ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፥ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ አሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ፡ ተባሃሃሉ።
20 ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ።
21 ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ በዓል ቤተ-ሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ አሎና፡ ኢሎም ለመንዎ።
22 ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ።
23 የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ።
24 ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
25 ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።
26 ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።
27 ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንቲዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ
28 ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
29 ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፥ ነጕዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፥ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ።
30 የሱስ መሊሱ በሎም፥ እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን።
31 ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።
32 ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።
33 ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ።
34 ስለዚ እቶም ህዝቢ፥ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፥ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለስሉ።
35 ሽዑ የሱስ፥ ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ።
36 ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ።
37-38 እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፡ ቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደ፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን።
39-40 ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፥ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።
41 ኢሳይያስ ክብረት ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ።
42-43 ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን።
44 የሱስ ግና ጨደረ በለውን፥ ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን።
45 ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ።
46 እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ።
47 ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ።
48-50 ኣነስ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

1 የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
2 ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ።
3 የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡
4 ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ።
5 ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ።
6 ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧ በሎ።
7 የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ።
8 ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ።
9 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ።
10 የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሐጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹም፡ ግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ።
11 ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ።
12 ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም።
13 ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም።
14-15 ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።
16 ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
17 ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።
18 ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፥ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸኰናኡ ኣባይ ኣልዓለ።
19 ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም አሎኹ።
20 ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
21 የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጕህዩ፥ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መስከረ።
22 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጣማመቱ።
23 ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ።
24 ንእኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ።
25 እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጐዝጕዙ ዘሎ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧ በሎ።
26 የሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፡ ሃቦ።
27 ድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ።
28 ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን።
29 ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፥ ንበዓል እንደልዮ ዓድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሃብ፡ ዝበሎ መሊልዎም ነበረ።
30 ንሱ ግና ነታ ቝራስ እንጌራ ምስ ተቐበለ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ።
31 ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፥ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ።
32 ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ።
33 ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስካትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም አሎኹ።
34 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።
35 ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።
36 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከትድ ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
37 ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይነ፡ ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ።
38 የሱስ ከኣ፥ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፡ ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትክሕደንስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።

 

1 ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።
2 ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡
3 ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።
4 ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹም።
5 ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፡ በሎ።
6 የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
7 ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ።
8 ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ።
9 የሱስ በሎ፥ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል አሎኻ፧
10 ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።
11 ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።
12 ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
13 ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።
14 ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።
15 እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።
16 ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡
17 ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩም፡ውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።
18 ኣነ ዘኽተማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።
19 ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።
20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።
21 እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።
22 እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፥ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ።
23 የሱስ ከኣ፥ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።
24 እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ።
25 ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም።
26 እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።
27 ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።
28 ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም።
29 ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ።
30 ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ።
31 ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ።

 

1 ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ።
2 ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ።
3 ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።
4 ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም።
5 እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።
6 ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።
7 ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።
8 ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።
9 ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ።
10 ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።
11 ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም።
12 ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።
13 ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።
14 ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።
15 እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።
16 ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።
17 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።
18 ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።
19 ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።
20 ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም።
21 ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።
22 ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን።
23 እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ።
24 ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና።
25 እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ።
26 እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።
27 ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።

 

1 ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም።
2 ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።
3 ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኺገብርኹም እዮም።
4 ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ካብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም።
5 ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ አሎኹ። ካባኸትኩም ከኣ ሓደ እኳ፥ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን።
6 እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ።
7 ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።
8 ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።
9 ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ።
10 ብዛዕባ ጽድቂ፥ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን።
11 ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፥ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ።
12 ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
13 እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።
14 ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።
15 እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ።
16 ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።
17 ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፥ እዚ፥ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተበሃሀሉ።
18 ስለዚ፥ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ።
19 የሱስ ከኣ ኺሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፥ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ አሎኹም፧
20 ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
21 ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።
22 እምብኣርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጓሂ አሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን።
23 በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዝህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
24 ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።
25 እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።
26-27 በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም አሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ።
28 ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ አሎኹ።
29 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ አሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን።
30 ኵሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን አሎና፡ በልዎ።
31 የሱስ ከኣ፥ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧
32 እንሆ፡ ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን።
33 ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አለኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

 

1-2 የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፥ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ።
3 ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።
4 ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ።
5 ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።
6 ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒ፡ ቃልካውን ሐለዉ።
7 እቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዅሉ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ።
8 እቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሐቂ ፈለጡ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።
9 ኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ።
10 ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ።
11 ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም።
12 ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብስምካ ሐሎኽዎም፡ ነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን።
13 ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ አሎኹ።
14 ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም።
15 ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ።
16 ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።
17 በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።
18 ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለእኽካኒ፡ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።
19 ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ አሎኹ።
20 ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ።
21 ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ።
22-23 ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።
24 ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ።
25 ጻድቕ ኣቦይ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ።
26 እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።

 

1 የሱስ እዚ ኢሉ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን፡ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ።
2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ።
3 ይሁዳ ነቶም ጭፍራ ሮማውያንን ንገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ ወጸ።
4 ሽዑ የሱስ ዚመጾ ዘበለ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም።
5 ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ።
6 ሽዑ፡ ኣነ እየ፡ ምስ በሎም፡ ኣድሐርሐሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ።
7 ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመን ትደልዩ አሎኹም፡ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፥ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ በሉ።
8-9 እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም።
10 ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ።
11 የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነታ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፡ በሎ።
12 ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ።
13 ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ።
14 ቀያፋ ኸኣ እቲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ።
15 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱስ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ።
16 ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዐጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ።
17 ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዐጻዊት ደገ፡ ንጴጥሮስ፥ ንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይን፡ በለ።
18 ብዙሕ ቍሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላውን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።
19 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶ።
20 የሱስ ከኣ፥ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረብ፡ ኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን።
21 ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ አሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ።
22 እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላው ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ንሊቀ ኻህናትናዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ አሎኻ፡ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ።
23 የሱስ ከኣ፥ ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
24 ሃና ኸኣ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ።
25 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ስለዚ፥ ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ።
26 ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ካህናት ሓደ፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ፥ ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ።
27 ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደ፡ ብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ።
28 ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።
29 ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ አሎኹም፡ በሎም።
30 ንሳቶም፥ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለስሉ።
31-32 ሽዑ ጲላጦስ ንስካትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፥ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቐደልናን፡ በልዎ።
33 ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ፡ ንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፡ በሎ።
34 የሱስ ድማ፥ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፡ ኢሉ መለሰ።
35 ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ካህናትን ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።
36 የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ።
37 ጲላጦስ ድማ፥ እምብኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝኰነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
38 ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩ፧ በሎ። እዚ ኢሉ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡
39 ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ አሎኩም። እምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፡ በሎም።
40 ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፥ ንበርባን ደኣ እምበር፡ ነዝስ ኣይኰነን፡ በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።

 

1 ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ።
2 እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ።
3 መመጺኦም ከኣ፥ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ።
4 ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፥ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም አሎኹ፡ በሎም።
5 ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፥ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም።
6 ሊቃውንቲ ካህናትን እቶም ገላውን ምስ ረኣይዎ፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም።
7 ኣይሁድ ከኣ፥ ንሕና ሕጊ አሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ።
8 ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ።
9 ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፥ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱሱ ግና ኣይመለሰሉን።
10 ጲላጦስ ከኣ፥ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ።
11 የሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
12 ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፥ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ።
13 ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።
14 ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፥ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም።
15 ሽዑ ንሳቶም፥ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፡ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፥ ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ።
16 ሽዑ ኺሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሀቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ።
17 መስቀሉ ጾይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ።
18 ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም።
19 ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ የሱስ ናዝራዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ።
20 እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ ብቛንቛ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ።
21 ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፥ ንሱ ባዕሉ፥ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ።
22 ጲላጦስ፥ ዝጸሐፍክዎ ጸሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ።
23 እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም ኣብ ኣርባዕተ ምስ መቐልዎ፡ ነንሓደ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን።
24 ንሓድሕዶም ከኣ፥ ንዝበጽሔ ኪበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃሀሉ። እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕፅ ተዋደቑሉ፡ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ።
25 ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።
26 የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ።
27 ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።
28 ድሕርዚ የሱስ ኵሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም፥ ጸማእኩ፡ በለ።
29 ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።
30 የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ዝመልኤ ምስ ጠዐመ፥ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት።
31 ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ክብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።
32 ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዅልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።
33 ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን።
34 ሓደ ካብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ።
35 እቲ ዝረአየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ አሎ።
36 እቲ፥ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።
37 ካልእ ጽሑፍውን፥ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ።
38 ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ።
39 እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ።
40 ንስጋ የሱስ ወሲዶም፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ።
41 ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታክልቲ ነበረ። ኣብታ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ።
42 እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።

 

1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።
2 ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፥ ንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም።
3 ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ።
4 ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሐደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ። ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ።
5 ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረኣየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን።
6 ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ።
7 እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን።
8-9 ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ።
10 ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ።
11 ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡
12 ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽ፡ ረኣየት።
13 ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም።
14 እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን።
15 የሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ።
16 የሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ።
17 የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ።
18 ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም።
19 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኩን፡ በሎም።
20 እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሐጐሱ።
21 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣካትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም።
22 እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡
23 ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም።
24 እቲ ዲዲሞስ ዚብሃል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን።
25 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም።
26 ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩ፡ ቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጕሩ ኸሎ፡ የሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።
27 ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ።
28 ቶማስ መሊሱ ከኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ።
29 የሱስ ከኣ፣ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ።
30 የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።
31 ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።

 

1 ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፥
2 ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቀ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ።
3 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን።
4 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን።
5 የሱስ ከኣ፥ ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፥ የብልናን፡ ኢሎም መለስሉ።
6 ንሱ ኸኣ፥ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ።
7 እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፥ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።
8 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐብዎ፡ ብጃልባ መጹ።
9 ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራ ረኣዩ።
10 የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም።
11 ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ኣትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለሰትን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን።
12 የሱስ ድማ፥ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን።
13 የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ።
14 የሱስ ድሕሪ ኻብ ምዉታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳይ ጊዜኡ እዩ።
15 ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ።
16 ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ።
17 ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎ፡ ጕህዩ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ።
18 ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
19 ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዐበኒ፡ በሎ።
20 ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዚህበካ መን እዩ፧ ዝበሎ እዩ።
21 ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፥ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧ በሎ።
22 የሱስ ከኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፡ ንስካ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ።
23 ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን።
24 እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወዲ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና።
25 የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...