ጽማቝ ሓሳባት  ወደ ቆላስይስ ሰዎች (Colossians)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

ወደ ቆላስይስ ሰዎች (Colossians)

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡
2 ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
3-4 እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን አሎና።
5 ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡
6 ናባኻትኩም ዝመጸ ኣብ ኵላ ዓለምውን እናፈረየን እናዓበየን ዚኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡
7 ከምቲ ኻብ ኤጳፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ እተመሃርኩምዎ፡
8 ፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ።
9 ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን።
10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።
11 ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡
12 ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡
13 ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና።
14 ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡
15 ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ።
16 ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ።
17 ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።
18 ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርያ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።
19 ብዘሎ ምልኣት አብኡ ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ አሎ እሞ፡
20 ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ።
21 ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩም ብኽፉእ ግብሩኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡
22-23 ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።
24 ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ አሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ አሎኹ።
25 ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ።
26 ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡
27 ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።
28 ንሕና ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንነግር አሎና።
29 ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር አሎኹ።

 

1 ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ።
2 ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡
3 ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ።
4 ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
5 ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ አሎኹ።
6 ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ።
7 ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።
8 ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
9 ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡
10 ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም አሎኹም።
11 ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም።
12 ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።
13 ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።
14 ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።
15 ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።
16 ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም።
17 እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ።
18 ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።
19 ኣብቲ ብዘሎ እቲ ስጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዓብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።
20-22 እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡
23 እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።

 

1 ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
2-3 መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።
4 ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።
5 ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡
6 ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።
7 ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም።
8 ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።
9-10 ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
11 ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።
12 እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።
13 ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።
14 ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።
15 ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።
16 ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
17 ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
18 ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
19 ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን።
20 ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
21 ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
22 ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም።
23-24 ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
25 እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።

 

1 ኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
2 ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ።
3-4 እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራቡ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ።
5 ጊዜ እናዓደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ።
6 ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።
7 ጥኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን፡ ከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ፡ ኬፍልጠኩም እዩ።
8 ብዛዕባ ህልዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ኬህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ።
9 ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ አሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዅሉ ኺነግሩኹም እዮም።
10 እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም አሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓዉ ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ።
11 ዮስጦስ ዚብሃል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም።
12 እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ።
13 ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ፡ እምስክረሉ አሎኹ።
14 ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።
15 ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም።
16 እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት፡ ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ኸኣ ከም እትንበብ፡ ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግበሩ።
17 ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ።
18 እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ፡ እዩ። መቐውሔይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን።

 

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...