ጽማቝ ሓሳባት  1ኛ ወደ ጢሞቴዎስ (1 Timothy)

የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።

1ኛ ወደ ጢሞቴዎስ (1 Timothy)

1 ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡
2 ናብ ጢሞቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
3-4 እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዜብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል አሎኹ።
5 እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ።
6 ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡
7 ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ።
8 ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።
9 ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡
10 ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ።
11 እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።
12 ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ አሎኹ።
13 ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ።
14 ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ።
15 ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ።
16 ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ።
17 እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።
18-19 ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቍበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ።
20 ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም።

 

1-2 እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።
3-4 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።
5 ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።
6 ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡
7 ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡ሓቂ እብል አሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ።
8 እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ።
9-10 ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።
11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር።
12-13 ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ።
14 ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።
15 ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

 

1 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ።
2 እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ።
3 ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ።
4-5 ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።
6 ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን።
7 ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ።
8-9 ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ።
10 እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ።
11 ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ።
12-13 እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስን ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ።
14 ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡
15 እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ።
16 ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።

 

1 በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።
2 ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡
3 መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ።
4-5 እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።
6 ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
7 ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ።
8 እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።
9 እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ።
10 በቲ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘሎና።
11 እዚ ኣዝዝን ምሃርን።
12 ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።
13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።
14 ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ።
15 እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።
16 ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።

1 ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም።
2 ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።
3 ነተን መበለታት፡ ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን።
4 ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።
5 እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ።
6 እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውቲ እያ።
7 ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪዀኑስ፡ እዚ ድማ አዝዝ።
8 ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
9-10 ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር።
11 ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዕለን፡ ኪምርዓዋ እየን ዚደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን።
12 ንሳተን፡ ነታ ቐዳማይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ አለወን።
13 ኣብ ልዕሊ ዝውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን።
14 እምብኣርሲ እተን ሓያማት ኪምርዓዋ፡ ውሉድ ኪወልዳ፡ ቤተን ኪሕዛ፡ ጸላኢ ዘጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ አሎኹ።
15 ገሊኤንሲ ድሮ እኳ ዘምቢለን፡ ደድሕሪ ሰይጣን ስዒበን አለዋ።
16 ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ።
17-18 እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።
19 ብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል።
20 ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም።
21 ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እዃ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ኤማሕጽነካ አሎኹ።
22 ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሐሉ።
23 ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።
24 ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ።
25 ከምኡ ኸኣ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፡ እቲ ዘይግሉጽውን ኪስወር ኣይከኣሎን እዩ።

 

1 እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለዉ ዅሎም ባሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ኸም ዚግብኦም ይቝጸርዎም።
2 እቶም ኣመንቲ ጐይተት ዘለዎም ድማ፡ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ዕዮኦም ዚጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቁራትን ብምኳኖም እባ ደኣ ኣብዚሖም ይገዝእዎም። እዚ ነገርዚ ምሃርን ምዓድን።
3 ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡
4-5 ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።
6 ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ።
7 ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ።
8 ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና።
9 እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።
10 እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
11 ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ።
12 ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ።
13-14 ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ አሎኹ።
15 ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡
16 ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
17 ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም።
18 ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡
19 ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።
20-21 ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።

የኢየሱስ ተአምራት

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8:14-15

14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 8: 1-4

1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።

Ark of the Covenant

ማቴዎስ 9:18

ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።

ዮሐንስ 2 1-11

በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...