ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ኦሪት ዘዳግም (Deuteronomy)

እስራኤላውያን ካብታ መብጽዓ እተገብረላ ምድሪ ከነኣን ርባ ዮርዳኖስ ኪሰግሩ ኸለዉ። ሙሴ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ኣውጺኡ ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ተጓዕዘ፣ ኣብቲ በረኻ ቕድሚ ምስፋሮም ከኣ ንብዙሓት ጸላእቲ ሰዓርዎም። ካብቶም 12 ነገዳት እቶም ሰለስተ ድሮ ነታ ምድሪ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ሰፊርዋ ነበረ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናብታ ምድሪ ንምእታው ድሉው ነበረ። ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውሪድዎም ነይሩ እዩ ። እቶም ህዝቢ ኣብ በረኻ ምስ ኣምላኾም ኪዳን ኪተኣታተዉ ተሰማምዑ፣ ንሱ ድማ ምድሪ ከነኣን ኪህቦምን ከም ኣምላኾም ገይሩ ኼዕቍቦምን ንሕግታቱ ኺሕልውዎን ነበሮም። ይኹን እምበር ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ንሕግታት ኣምላኽ ካብ ዚህቦም ነዊሕ ከይጸንሑ ኣይሓለዉን ። እቲ ወለዶ እቲ ነታ ምድሪ ተስፋ ሓደጎ ፣ ሕጂ ኸኣ ሓድሽ ወለዶ ኣብ ክንዲ እቲ ዝሓለፈ ወለዶ እስራኤል ናብታ ምድሪ ኺጐዓዝ ቀሪቡ ኣሎ ። እዚ ቕድሚ ምግባሮም ሙሴ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽን ስለምንታይ ኪእዘዝዎ ኸም ዘለዎምን እንደገና ኼዘኻኽርዎም ኣዘዞም። ዳትሮኖሚ ኺብሃል ከሎ ድማ ሕጊ ኣምላኽ “ካልኣይ ምሃብ” ማለት እዩ፣ ከመይሲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ከረን ሳናይ ሕጊ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕልዉን ናብታ እተመደበት ምድሪ ብደሓን ምእንቲ ኺኣትዉን ዓሰርተ ትእዛዝ ሂብዎም ነይሩ እዩ።

ኦሪት ዘዳግም (Deuteronomy)

1 እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ሱፍ ኣብ ዘሎ በረኻ፡ ኣብ መንጎ ጳራንን ቶፌልን ላባንን ሓጸሮትን ዲ-ዛሃብን ዘሎ ጐልጐል፡ ንዂሎም እስራኤል ዝነገሮም ቃላት እዚ እዩ።
2 ካብ ሆሬብ ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳዕ ቃዴስ-ባርኔዓ፡ መገዲ ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ እዩ።
3 ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኪነግሮም ዝአዘዞ ዂሉ ተዛረበ።
4 እዚ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ዓስታሮት ኣብ ኤድረዒ ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዐሮም ኰነ።
5 ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነዚ ሕጊ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኺገልጾ ጀመረ፡
6 እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኣብ ሆሬብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበና፡ ኣብዚ ኸረንዚ እተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፡
7 ተመሊስኩም ተጕዐዙ፡ ናብ ከረን ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዂሉን ናብ ጐልጐልን ናብ ኣኽራንን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ናብ ሊባኖስን፡ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ እተዉ።
8 እንሆ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣሎኹ። እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፡ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ፡ ንኣታቶም ብድሕሪኦም ከኣ ንዘርኦም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ እተውዋ፡ ውረስዋ ኸኣ።
9 በቲ ዘበንቲ ድማ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩኹም፡ ኣነ በይነይ ክጾረኩም ኣይክእልን።
10 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም እዩ እሞ፡ ሎሚ ምብዛሕኩም፡ እንሆ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኢኹም።
11 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም እተዛረበኩም፡ ካብቲ ዘሎኹምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡ ይባርኽኩም ከኣ፡
12 እቲ ድኻምኩምን ክብደትኩምን ቈየቛኹምን ከመይ ገይረ በይነይ እጾሮ።
13 ካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡ፡ ሓላቑኹም ክገብሮም እየ።
14 ንስኻትኩም ድማ፡ እቲ እተዛረብካዮ ነገር ምግባሩ ጽቡቕ እዩ፡ ኢልኩም መለስኩምለይ።
15 ሽዑ ሓላቑ ነገዳትኩም፡ ጠቢባንን እተፈልጡን ሰባት ወሲደ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ነገዳትኩም መኳንንቲ፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓላቑ ገበርክዎም።
16 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ኣብ መንጎ ሓዉን፡ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓና ድማ ብቕንዕና ፍረዱ።
17 ነቲ ንእሽቶውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፡ ብፍርዲ ገጽ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ገጽ ሰብ ኣይትፍርሁ። እቲ ዝበርትዓኩም ነገር ኣነ ኽሰምዖ፡ ናባይ ኣምጽእዎ።
18 በታ ጊዜ እቲኣ፡ እትገብርዎ ዂሉ ኣዘዝኩኹም።
19 ካብ ሆሬብ ነቒልና ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና፡ በቲ ዝርኤኹምዎ ዓብዪን ዜፍርህን በረኻ፡ መገዲ ኸረን ኣሞራውያን ከድና፡ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኸኣ መጻእና።
20 በልኩኹም ድማ፡ ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ኸረን ኣሞራውያን መጻእኩም።
21 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዛ ምድሪ ኣብ ኢድካ ሀበካ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ደይብካ ውረሳ። ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር።
22 ንስኻትኩም ከኣ፡ ኲልኹም ናባይ መጺእኩም፡ በየናይ መገዲ ኸም እንድይብ፡ ኣብ ኣየኖት ከተማታትውን ከም እንኣቱ፡ ተመሊሶም ኪነግሩና ነታ ሃገር ዚስልዩልና ቅድሜና ሰባት ንስደድ፡ በልኩምኒ።
23 እቲ ነገር እቲ ባህ ኣበለኒ እሞ፡ ካባኻትኩም ዓሰርተው ክልተ ሰብ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ወሰድኩ።
24 ከይዶም ድማ ናብ ከረን ደየቡ፡ ናብ ለሰ ኤሽኰል ኣትዮምውን ሰለይዋ።
25 ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ በእዳዎም ወሰዱ፡ ናባና ኸኣ ኣውረድዎ። እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ጽብቕቲ እያ፡ ኢሎም ድማ ምላሽ ነገሩና።
26 ንስኻትኩም ግና ክትድይቡ ኣይፈቶኹምን እሞ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣቤኹምዎ።
27 ኣብ ድንኳናትኩም ኴንኩም ኣጒረምረኩም፡ በልኩም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ስለ ዝጸልኣና፡ ምእንቲ ኼጥፍኣና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኺህበና፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኣና።
28 ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ፡ እቲ ህዝቢ ኻባና ዚበዝሕን ዚነውሕን እዩ። እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ኽሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ እየን፡ ደቂ ዓናቅውን ኣብኡ ርኢና፡ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣምከኽዎ።
29 ሽዑ በልኩኹም፡ ኣይትረበጹን ኣይትፍርህዎምን፡
30 እቲ ቀቅድሜኹም ዚኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ኺገብረልኩም ዝርኤኹምዎ ዂሉ፡ ከምኡ ንሱ ኣብ ክንዳኻትኩም ኪዋግኣልኩም እዩ።
31 ሰብ ንወዱ ኸም ዚሕንግሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ኲሉ ዝኸድኩምዎ መገዲ ኸም ዝሐንገረካ ርኢኻ።
32-33 እዚ ነገር እዚ ኽነሱ፡ እቲ እትሰፍሩሉ ቦታ ኺደልየልኩም፡ እትኸድዋ መገዲ ድማ ኬርእየኩም፡ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸኣ ብደበና ቀቅድሜኹም ዝኸደ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይአመንኩምን።
34-36 እግዚኣብሄር ከኣ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓደ ኻብዞም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሐለ። ንሱ ኺርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ፡ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እዩ።
37 እግዚኣብሄር፡ ንኣይ ድማ ብሰርኹም፡ ንስኻውን ኣይትኣትዋን ኢኻ፡ ኢሉ ዀረየለይ።
38 እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል፡ ንሱ ኺኣትዋ እዩ። ንሱ ንእስራኤል ኬረስትዮም እዩ እሞ፡ ኣትብዓዮ።
39 እቶም ኪማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቈልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፡ ንሳቶም ኪኣትውዋ እዮም፡ ንኣታቶም ክህቦም እየ፡ ኪወርስዋ ኸኣ እዮም።
40 ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ በረኻ ኣቢልኩም ተጕዐዙ፡ በለ።
41 ሽዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣበስና፡ ንድይብ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና ዂሉ ድማ ንዋጋእ፡ በልኩምኒ። ነፍሲ ወከፍኩምውን መሳርያኡ ተዐጥቀ፡ ናብ ከረን ክትድይቡ ኸኣ ተዳሎኹም።
42 እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ኣብ ማእከልኩም ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ምእንቲ ኸይትሰዓሩ ናብኡ ኣይትደይቡ ኣይትዋግኡውን፡ በሎም፡ በለኒ።
43 ኣነ ድማ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፡ ብድፍረትኩም፡ ናብቲ ኸረን ደየብኩም እምበር፡ ኣይሰማዕኩምንን፡
44 እቶም ኣብቲ ኸረን ዚነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወጺኦም ተቐባበሉኹም፡ ከምቲ ንህቢ ዚገብሮ ገይሮም ከኣ ሰጐጉኹም፡ ኣብ ሰዒር ድማ ክሳዕ ሖርማ ወቕዑኹም።
45 ተመሊስኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኼኹም፡ እግዚኣብሄር ግና ድምጽኹም ኣይሰምዔን፡ እዝኑ ኸኣ ጽን ኣይበለኩምን።
46 ከምተን እተቐመጥኩምለን መዓልትታት፡ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።

 

1 ካብኡ ተመሊስና ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ንበረኻ ገጽና ተጕዐዝና። ንኸረን ሰዒር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።
2 እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡
3 ነዚ ኸረንዚ ምዛር ይኣኽለኩም፡ ንሰሜን ገጽኩም ተመለሱ።
4 ነቶም ህዝቢውን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ብዶብ እቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ኣሕዋትኩም፡ ደቂ ኤሳው፡ ክትሐልፉ ኢኹም፡ ንሳቶም ይፈርሁኹም እዮም፡ ተጠንቀቑ ደኣ፡
5 ኣይተዋግእዎም፡ ከረን ስዒርሲ ንኤሳው ርስቲ ሂበዮ እየ እሞ፡ ካብታ ምድሮም መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ።
6 እንጌራ ኻባታቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ብልዑ፡ ማይውን ካባታቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ስተዩ።
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዂሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ንሱ በዚ ዓብዪ በረካ እዚ ምጕዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።
8 ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሐሊፍና ድማ፡ ካብታ መገዲ ጐልጐልን ካብ ኤላትን ካብ ዔጽዮን-ገበርን ኣግለስና። ገጽና መሊስና ኸኣ ብመገዲ በረኻ ሞኣብ ሐለፍና።
9 እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ምድሪ ዓር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፡ ካብ ምድሮም ርስቲ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ንሞኣባውያን ኣይተዕገርግሮም ኣይትዋግኣዮምውን።
10 ቀደም ሓደ ዓብዪን ብዙሕን ከም ዓናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቚመቱ ህዝቢ ኤሚም፡ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ።
11 ከም ዓናቃውያን ዝበሉ፡ ንሳቶም ከኣ ረፋውያን፡ ይቚጸሩ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ይብልዎም ነበሩ።
12 ሖራውያን ድማ ቀደም ኣብ ሰዒር ተቐሚጦም ነበሩ፡ ደቂ ኤሳው ግና፡ ከምቲ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ርስቶም ዝገበርዋ፡ ሰጒጎም ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ስፍራኦም ድማ ተቐመጡ።
13 ሕጂ ተንስኡ ርባ ዘሬድ ከኣ ተሳገሩ። ርባ ዘሬድ ድማ ተሳገርና።
14 እቲ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ኽሳዕ ርባ ዘሬድ እንሳገር ዝኸድናሉ ዘበን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎም፡ ወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ ማእከል ሰፈር ክሳዕ ዚጠፍእ፡ ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ኰነ።
15 ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ክሳዕ ዚውድኡ፡ ካብ ማእከል እቲ ሰፈር ከተጥፍኦም ኣብኦም ነበረት።
16 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኲሎም ካብ ማእከል ህዝቢ ሞይቶም ምስ ተወድኡ፡
17 እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡
18 ሎሚ ንስኻ ብዓር፡ ዶብ ሞኣብ፡ ክትሐልፍ ኢኻ።
19 ናብ መንጽር ደቂ ዓሞን ምስ ቀረብካ፡ ኣይተዕገርግሮም፡ ኣይትዋግኣዮም ድማ። ንደቂ ሎጥ ንርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ካብ ምድሪ ደቂ ዓሞን እትርስተዮ ገለ እኳ ኣይህበካን እየ።
20 እዚኣ ድማ ቀደም ረፋውያን ስለ ዝነበርዋ፡ ሃገር ረፋውያን ተቘጽረት፡ ዓሞናውያን ግና ዛምዙሚም ይብልዎም ነበሩ።
21 ከም ዓናቃውያን፡ ዓብዪን ብዙሕን ነዊሕ ዝቚመቱን ህዝቢ እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍኦም እሞ፡ ንኣታቶም ሰጒጎም፡ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።
22 ኣብ ሰዒር ንዚነብሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፡ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኦም ምስ ኣጥፍኤ ንኣታቶም ሰጒጎም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።
23 ነቶም ኣብ ዓድታት ክሳዕ ጋዛ ዝነበሩ ዓዊም ድማ፡ ካብ ካፍቶር ዝወጹ ካፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፡ ኣብቲ ስፍራኦም ከኣ ተቐመጡ።
24 ተንስኡ፡ ተጕዐዙ፡ ለሰ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ። ሲሆን ኣሞራዊ፡ ንጉስ ሔስቦንን ምድሩን፡ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ምውራሳ ጀምር፡ ምስኡ ኸኣ ተዋጋእ።
25 ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዚነብሩ ዂሎም ህዝብታት፡ ካብ ሎሚ ጀሚረ ምሽባርካን ፍርሃትካን ከውርደሎም እየ። ወሬኻ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ የንቀጥቅጡ ራዕዲ ድማ ይሕዞም።
26 ካብ በርኻ ቀደሞት ድማ ናብ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ከምዚ ኢለ ልኡኻት ምስ ናይ ሰላም ዘረባ ሰደድኩሉ፡
27-29 ከምቲ ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚነብሩ ሞኣባውይንን ዝገበሩለይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ፡ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር፡ የማነ ጸጋም ከየግለስኩ ብመገደ መገዲ ክኸይድ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ዝበልዖ እንጌራ ብገንዘብ ሽጠለይ፡ ዝሰትዮ ማይ ከኣ ብገንዘብ ሀበኒ፡ ሓንትስ ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ፡ በልክዎ።
30 ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድካ ኺህበካ፡ ንመንፈሱ ኣትረሮ ንልቡ ኸኣ ተጻራሪ ገበሮ እሞ፡ ኬሕልፈና ኣይፈተወን።
31 እግዚኣብሄር ከኣ፡ እንሆ ንሲሆንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ኽህበካ ጀመርኩ እሞ፡ ንምድሩ ምእንቲ ኽትርስተያ፡ ምውራሳ ጀምር፡ በለኒ።
32 ሲሆን ድማ፡ ንሱን ኲሉ ህዝቡን፡ ናብ የሃጽ ንምውጋእና ኺቃባበለና ወጸ።
33 እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና፡ ንእኡን ንደቁን ንዂሉ ህዝቡን ከኣ ወቓዕናዮም።
34 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኲለን ከተማታቱ ወሰድና፡ ኲለን ከተማታት ምስናይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ ኸየትረፍን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም።
35 እተን ዝዘመትናየን ማል ጥራይ ምስቲ ኻብ ከተማታት ዝገፈፍናዮ ንኣና ወሰድና።
36 ካብታ ኣብ ገምገም ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ለሰ ዘላ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ጊልኣድ ሓንቲ ኸተማ እኳ ብምንዋሓ ዝጸንዓትና ኣይነበረትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዂለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና።
37 ጥራይ ምድሪ ደቂ ዓሞን፡ ኲሉ ወገን ርባ ያቦቅን ኣብ ከረን ዝነበራ ኸተማታትን እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና ዘበለ ዂሉ ኣይቀረብካን።

 

1 ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብና። ዖግ፡ ንጉስ ባሳን ድማ ምስ ኲሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኺዋግኣና ኢሉ ኺቃባበለና ወጸ።
2 እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ንእኡን ንብዘሎ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ኣብ ሔስቦን ንዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ንእኡ ድማ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ።
3 ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንዂሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሀበና፡ ሓደ እኳ ኸይተረፎ ወቓዕናዮ።
4 በታ ጊዜ እቲኣ ዂላ ምድሪ ኣርጎብ፡ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ስሳ ኸተማ፡ ኲለን ከተማታቱ ሐዝና፡ ካባታቶም ዘይሐዝናያ ኸተማ ኣይነበረትን።
5 ኲለን እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ብጀካ እተን ዘይተዐርዳ ብዙሓት ከተማታት፡ ብነዊሕ መካበብያ እተዐርዳ፡ ብመዓጹን ብመሸጐርን ዝጸንዓ እየን።
6 ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ ዝገበርናዮ ድማ፡ ፈጺምና ኣጥፋእናዮም። ንዂለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም።
7 ኲለን ማልን ካብ ከተማታት ዝገፈፍናዮን ግና ንኣና ዘመትናዮ።
8 እቲ ኻብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ።
9 ነዚ ሄርሞን ሲዶናውያን ሲርዮን ይብልዎ፡ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ።
10 ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዂለን ከተማታትን ኲላ ጊልኣድን ኲላ ባሳንን ክሳዕ ሳልካን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን።
11 ካብቶም ተረፍ ረፋውያን ግና ዖግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። እንሆ፡ ዓራቱ ዓራት ሓጺን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን ደይኰነን፧ ምንዋሑ ብእመት ሰብ ትሽዓተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
12 በታ ጊዜ እቲኣ እዛ ምድሪ እዚኣ ወረስና። ካብታ ኣብ ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ፈረቓ ኸረን ጊልኣድን ከተማታትን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሀብክዎም።
13 ተረፍ ጊልኣድን ኲላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሀብክዎም። ብዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ኲላ ባሳን፡ ሃገር ረፋውያን ትበሀል።
14 ያኢር ወዲ ምናሴ፡ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ዅላ ምድሪ ኣርጎብ ሓዛ። ንእኤን፡ ማለት ባሳን፡ ብስሙ፡ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዚስመያሉ ዘለዋ፡ ሓዎት-ያኢር ኣውጽኣለን።
15 ንማኪር ድማ ጊልኣድ ሀብክዎ።
16 ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ካብ ጊልኣድ ክሳዕ ለሰ ኣርኖን፡ ክሳዕ ፈረቓ እቲ ለሰን ዶቡን ድማ፡ ክሳዕ ርባ ያቦቅ፡ ንሱ ኸኣ ዶብ ደቂ ዓሞን፡
17 ድማ ጐልጐልን ዮርዳኖስን ዶብን ካብ ኪነረት ክሳዕ ናይ ጐልጐል ባሕሪ፡ ንሱ ባሕሪ ጨው፡ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ ብምብራቑ ሀብክዎም።
18 በታ ጊዜ እቲኣ ኸምዚ ኢለ ኣዘዝኩኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስተይዋ ሂብኩም እዩ እሞ፡ ኣብ ሓይሊ ዘበልኩም ኣጽዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ሕለፉ።
19 ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ከብትኹምን ግና፡ ብዙሓት ከብቲ ኸም ዘሎኩም እፈልጥ እየ፡ ኣብተን ዝሀብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ።
20 እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ድማ ከማኻትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ፡ ጽንሑ። ድሕርቲ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሀብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ።
21 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንእያሱ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ፡ ኣዒንትኻ ርእየን፡ ነተን ናብኤን እትሐልፍ ዘሎኻ ዂለን መንግስትታት ከኣ እግዚኣብሄር ከምኡ ኺገብር እዩ፡
22 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፡ ኢለ ኣዘዝክዎ።
23 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢለ ለመንክዎ፡
24 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንባርያኻ ዕቤትካን እታ ጽንዕቲ ኢድካን ከተርእየኒ ጀመርካ፡ ከመይሲ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ኪገብር ዚኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፧
25 ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ከረንን ንሊባኖስን፡ ክርኢ ዀታ ኣሕልፈኒ፡ በልኩ።
26 እግዚኣብሄር ግና ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፡ ኣይሰምዓንን ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ይኣኽለካ፡ በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ፡
27 ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደይብ፡ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸኣ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን በዒንትኻ ጠምት።
28 እያሱ ግና ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኪሐልፍ፡ ንሱ ኸኣ ነዛ እትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ኼረስትዮም እዩ እሞ፡ ንእኡ ኣዝዞ፡ ኣጽንዓዮ ኣትብዓዮውን።
29 ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ለሰ ድማ ጸናሕና።

 

1 ሕጂ ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ኽትገብሮ ኢለ ዝምህረካ ዘሎኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ።
2 ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ኣይትነክዩ።
3 እግዚኣብሄር ብናይ በዓል-ጴዖር ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቶም ንበዓል-ጴዖር ዝሰዐቡ ዂሎም ሰባት ካብ ማእከልካ ኸምዘጥፍኦም፡ ኣዒንትኹም ርእየን።
4 ንስኻትኩም ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተጸጋዕኩም፡ ኲልኻትኩም ሎሚ ብህይወትኩም ኣሎኹም።
5 እንሆ፡ ኣብታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ዘሎኹም ሃገር ከምኡ ኽትገብሩ፡ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝአዘዘኒ ሕጋጋትን ፍርድታትን መሀርኩኹም።
6 ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን እሞ፡ ስለዚ ሐልውወን ግበርወን ድማ። ንዂሉ እዚ ሕጋጋት እዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ ብሓቂ ፈላጥን ኣስተውዓልን ህዝቢ እዩ፡ ኪብሉ እዮም።
7 ከምቲ እግዚብሄር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና፡ ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ፡ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧
8 ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘሎኹ ዂሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ፡ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧
9 ሓንትስ እቲ ዓይንኻ ዝረኣዮ ነገር ከይትርስዖ፡ ብዂሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ደኣ ኸተፍልጦም፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ ነፍስኻ ሐሉ።
10 እታ ኣብ ሆሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝቘምካላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ከኣ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምፍራሄይ ኪመሀሩ፡ ንደቆም ድማ ኪምህሩስ፡ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
11 ንስኻትኩም ድማ ቀረብኩም፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ደው በልኩም። እቲ ኸረንውን ክሳዕ ማእከል ሰማይ ሓዊ ይነድድ ነበረ፡ ጸልማትን ደበናን ጣቓን ድማ ነበሮ።
12 እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፡ ድምጺ ዘረባኡ ሰማዕኩም፡ ድምጺ ጥራይ እምበር፡ መልክዕሲ ከቶ ኣይርኤኹምን።
13 እቲ ኽትገብርዎ ዝአዘዘኩም ኪዳን፡ ዓሰርተ ቓላት ድማ ገለጸልኩም። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸሐፎ።
14 እግዚኣብሄር በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኣይ ኣብታ ኽትወርስዋ እትሐልፍዋ ምድሪ ኽትገብርዎ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ኣዘዘኒ።
15 በታ እግዚኣብሄር ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረበኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ እኳ ኣይርኤኹምን እሞ፡ ተጠንቂቕኩም ነፍሳትኩም ሐልዉ።
16 ብዝዀነ ምስሊ፡ ብመልኽዕ ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ፡
17 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዂሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፡
18 ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ፡ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ዂሉ ዓሳ ኸኣ፡
19 ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።
20 ንኣኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘሎኹምዎ፡ ምእንቲ ህዝቢ ርስቲ ኽትኰንዎ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓጺን፡ ካብ ግብጺ ኣውጺኡኩም እዩ።
21 እግዚኣብሄር ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ እሞ፡ ኣነ ንዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ከይአቱ መሐለ።
22 ኣነ ንዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ክትወርስዋ ኢኹም።
23-24 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚባላዕ ሓዊ፡ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
25 ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፡ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ነዊሕ ዘበን ምስ ተቐመጥኩም፡ ናይ ዝዀነ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ምስ እትበላሸዉ፡ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክፉእ ምስ እትገብሩ፡
26 ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጸንቱ፡ ኣነ ሎሚ ሰማይን ምድርን ኤመስክረልኩም ኣሎኹ። ፈጺምኩም ትበርሱ እምበር፡ ነዊሕ መዓልቲ ኣይትነብርዋን ኢኹም።
27 እግዚኣብሄር ናብ ማእከል ህዝብታት ኪብትነኩም እዩ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዚወስደኩም ኣህዛብ ሒደት ቊጽሪ ኽትተርፉ ኢኹም።
28 ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብዘይርእዮ፡ ዘይሰምዑ፡ ዘይበልዑ፡ ዘይጨንዉ ኣማልኽቲ ዕጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም።
29 ካብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ደሌኻዮ፡ ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ፡ ክትረኽቦ ኢኻ።
30 ምስ ጸበበካ፡ እዚ ዂሉ ምስ በጽሓካ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክትምለስ ኢኻ፡ ቃሉ ኸኣ ክትሰምዕ ኢኻ።
31 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኣይሐድገካን ኣየጥፍኣካን፡ ነቲ ምስ ኣቦታትካ ዝመሐሎ ኺዳን ኣይርስዖን።
32 ካብታ እግዚኣብሄር ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኰይኑ እንተ ዀነ፡ ወይ ነዚ ዚመስል ተሰሚዑ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቐዳሞት ዘበናት ጠይቕ።
33 ከምዚ ንስኻ ዝሰማዕካዮ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ቃሉ ዘሰምዔ፡ ብህይወት ከኣ ዚነብር ህዝቢዶ ኣሎ፧
34 ወይ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፡ መጺኡ ብፈተናን ብትእምርትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓብዪ መፍርህን ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ኺወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፧
35 እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንኣኻ ተራእየካ።
36 ምእንቲ ኺምህረካ፡ ካብ ሰማይ ድምጹ ኣስምዓካ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ሓዉ ኣርኣየካ፡ ቃላቱ ድማ ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕካ።
37 ነቦታትካ ስለ ዝፈተዎም ድማ፡ ብድሕሪኦም ንዘርኦም ሐረየ፡ ባዕሉ ኸኣ ብዓብዪ ሓይሉ ቀቅድሚኡ ኻብ ግብጺ ኣውጽኣካ።
38 ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኺህበካ፡ ናብኣ ምእንቲ ኼእትወካ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ሰጐጎም።
39 እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ኸኣ ኣብ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከምዜልቦ፡ ሎሚ ፍለጥ፡ ኣብ ልብኻውን ሕሰቦ።
40 ንኣኻን ብድሕሬኻን ድማ ንደቅኻን ኺጽብቐልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሓዋሩ ዚህበካ ምድሪ ኸኣ መዓልትታትካ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ሐሉ።
41 ሽዑ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ።
42 ቅድም ጽልኢ ዘይነበሮ ብዘይ ፍልጠት ብጻዩ ዝቐተለ ቐታሊ ዚሀድመለን፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ሀዲሙ ምእንቲ ብህይወት ኪነብር እዚ ገበረ።
43 ንደቂ ሮቤል ቤጾር ኣብ በረኻ ኣብ ጐልጐል፡ ንደቂ ጋድ ከኣ ራሞት ናይ ጊልኣድ፡ ንደቂ ምናሴ ድማ ጎላን ኣብ ባሳን።
44 ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዚ እዩ።
45 ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እዚ እዩ።
46 ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ርባ፡ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር፡ ኣብ ምድሪ ሲሆን፡ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፡ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዝወቕዕዎ፡
47 ምድሩን ምድሪ ዖግ ንጉስ ባሳንን፡ ናይ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ጸሓይ ዝነበረ፡ ሐዙ።
48 ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ክሳዕ ከረን ሲዮን፡ ንሱ ኸኣ ሄርሞን፡
49 ኲሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፡ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጐቦታት ጲስጋ ዘሎ ባሕሪ ጐልጐል ድማ ሐዙ።

 

1 ሙሴ ድማ ንዂሎም እስራኤል ጸዊዑ፡ በሎም፡ ዎ እስራኤል፡ እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ፡ ተመሀርዎን ሐልውዎን ግበርዎን ከኣ።
2 እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ምሳና ኺዳን አተወ።
3 እግዚኣብሄር እዚ ኺዳን እዚ፡ ንሕና ዂልና ኣብዚ ሎሚ ብህይወት ምስ ዘሎና፡ ምሳና እምበር፡ ምስ ኣቦታትና ኣይአተዎን።
4 እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ገጽ ንገጽ ተዛረበኩም።
5 ሽዑ ሓዊ ፈሪሀኩም ናብቲ ኸረን ኣይደየብኩምን እሞ በታ ጊዜ እቲኣ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፡ ኣነ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኹምን ቈምኩ። ንሱ በለ፡
6 ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
7 ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሀልዉኻ።
8 ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘለዉ እተወቕረ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር፡
9 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንዚጸሉኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተምልኮም።
10 ንዚፈትዉኒ፡ ትእዛዛተይ ንዚሕልዉ ኸኣ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር እየ።
11 እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ናጻ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
12 ንመዓልቲ ሰንበት ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ክትቅድሳ ሐልዋ።
13 ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ፡ ኲሉ ተግባርካ ግበሮ።
14 እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ግዙእካን ግዝእትኻን ድማ ከማኻ ምእንቲ ኺዐርፉስ፡ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን ወይ ኵሉ ማልካ፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ጓናኻ ዝዀነ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
15 ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዝውጽኣካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ፡ ኣዘዘካ።
16 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
17 ኣይትቕተል።
18 ኣይትዘሙ።
19 ኣይትስረቕ።
20 ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።
21 ሰበይቲ ብጻይካ ኣይትመነ። ቤት ብጻይካ፡ ግራቱ ወይ ግዙኡ ወይ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትመነ።
22 እዘን ቃላት እዚኤን እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ደበናን ጣቓን ዓው ኢሉ፡ ንብዘላ ማሕበርኩም ተዛረበ፡ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጺሒፉ ኸኣ ንኣይ ሀበኒ።
23 ኰነ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ኸረን ኪነድድ ከሎ፡ ካብቲ ጸልማት ቃል ምስ ሰማዕኩ፡ ኵላቶም ሓላቑ ነገዳትኩምን ሽማግሌታትኩምን ናባይ ቀረብኩም፡
24 በልኩም ድማ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርኣየና፡ ድምጹውን ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕና፡ ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪዛረብ፡ ንሱ ኸኣ ብህይወት ኪነብር ሎሚ ርኤና።
25 ሕጂ ድማ ስለምንታይ እንመውት፧ እዚ ዓብዪ ሓዊ ኺበልዓና እዩ እሞ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰማዕና፡ ክንመውት ኢና።
26ካብ ኵሉ ስጋኸ ኸማና ድምጺ ህያው ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ሰሚዑስ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ፧
27 ንስኻ ደኣ ቕረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚብሎ ዅሉ ድማ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነግረካ ዅሉውን ንስኻ ንገረና፡ ንሕና ኸኣ ክንሰምዖን ክንገብሮን ኢና።
28 ክትዛረቡኒ ኸሎኹም ድማ፡ እግዚኣብሄር ቃል ዘረባኹም ሰምዔ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ቃል ዘረባ እዚ ህዝቢ እዚ እቲ እተዛረቡኻ ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ እትዛረብዎ ዅሉ ጽቡቕ እዩ፡
29 እሞ ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎም፡ ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን፡ ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።
30 ኪዱ፡ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፡ በሎም።
31 ንስኻ ግና፡ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኺገብርዎ፡ እቲ እትምህሮም ሕጋጋተይን ትእዛዛተይ ፍርድታተይ ክነግረካ፡ ኣብዚ ምሳይ ደው በል።
32 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ድማ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይትዝበሉ።
33 ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ኪጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ኪነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኵላ መገዲ ኺዱ።

 

1 እቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሐልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ።
2 ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሓሉ።
3 ስለዚ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገርን ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ።
4 ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።
5 ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ።
6 እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን።
7 ንደቅኻ ምሃሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።
8 ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን።
9 ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።
10 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኺህበካ፡ ዝመሐለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡
11 ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኰዐትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡
12 ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ከይትርስዖ ተጠንቀቕ።
13 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሓል።
14-15 እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ።
16 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎ፡ ኣይትፈትንዎ።
17 ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንዝአዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከኣ ኣጽኒዕኩም ሓልዉ።
18-19 ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንዅሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ክትኣቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር።
20 ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘና ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ፧ ኢሉ እንተ ሓተተካ፡
21 ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርና፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።
22 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዚጐድእን ትእምርትን ተኣምራትን ገበረ።
23 ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼእትወናን ንእኣ ኺህበናን፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።
24 ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪዀነልና ኸምዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኸኣ፡ ብህይወት ኬንብረና፡ እግዚኣብሄር ነዚ ዅሉ ትእዛዛት ክንገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና።
25 ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝአዘዘና፡ ንዅሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕና፡ ጽድቂ ይዀነልና።

 

1 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜካ ምስ ሰጐጐልካ፡ ሔታውያንን ጌርሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ሾብዓተ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት፡
2 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜካ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም። ኪዳን ኣይትተኣታተዎም ኣይትምሓሮምውን።
3 ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ።
4 ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ።
5 ከምዚ ደኣ ግበርዎም፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታቶምውን ሰብብሩ፡ ጣኦታቶም ኣውድቑ። እተጸርበ ምስልታቶም ከኣ ብሓዊ ኣንድዱ።
6 ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፡ ህዝቡ ኽትኰኖ ሓረየካ።
7 እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሐረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ።
8 እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሐለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም። ካብ ቤት ባርነት ድማ፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣድሐነካ።
9 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ።
10 ነቶም ዚጸልእዎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ንጥፍኣቶም ይፈድዮም። ንዚጸልኦ ኣይድንጕን፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ደኣ ይፈድዮ።
11 እምበኣርሲ፡ እዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዝን ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ፡ ተጠቀቕ።
12 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ፍርድታት እዚ ሰሚዕካ ስለ ዝሐሎኻዮን ስለ ዝገበርካዮን፡ ንኣኻ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ኪዳንን ምሕረትን ኪሕልወልካ እዩ፡
13 ኪፈትወካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከኣ እዩ። ኣብታ ንኣኻ ኺህበካ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ድማ፡ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን፡ ኣባትይ ኣሓኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸልካ እዩ።
14 ሓለፋ ዂሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን።
15 እግዚኣብሄር ድማ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቕ እዩ፡ እቲ እትፈልጦ ዅሉ ኽፉእ ሕማም ግብጺ ድማ ኣየምጽኣልካን እዩ። ናብ ኵሎም ዚጸልኡኻ ደኣ የምጽኣሎም።
16 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንዚህበካ ዅሎም ህዝብታት ድማ ክትውድኦም ኢኻ፡ ዓይንኻ ኣይትንሐፎም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ ኸይኰኑኻ፡ ኣይተምልኮም።
17 ብልብኻ ድማ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባይ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸውጽኦም እኽእል፧ እንተ በልካ፡
18 ኣይትፍርሃዮም፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ፡
19 ነቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዪ ፈተናታትን ትእምርትታትን ተኣምራትን፡ ነታ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጽኣካ፡ ኣጸቢቕካ ዘክር። ነዞም ኵሎም እትፈርሆም ዘሎኻ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኺገብሮም እዩ።
20 ነቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሐብኡን ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ዕኰት ኪሰደሎም እዩ።
21 እቲ ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ ማእከልካ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትፍራህ።
22 ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ በብሒደት ኪሰጎም እዩ። ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስ፡ ብሓንሳእ ከተጥፍኦም ኣይትኽእልን።
23 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣታቶም ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፡ ብዓብዪ ስምባድ ድማ ክሳዕ ዚጠፍኡ የሸብሮም።
24 ንነገስታቶም ከኣ ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፡ ስሞም ድማ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከተጥፍእ ኢኻ። ክሳዕ እተጥፍኦም፡ ኣብ ቅድሜኻ ኪቃወም ዚኽእል ሰብ የልቦን።
25 እተወቕረን እተጸርበን ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ፡ ነቲ ኣባታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዮ፡ እዚ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብእኡ ኸይትሕንኰልሲ፡ ካብኡ ንኣኻ ገለ ኣይትውሰድ።
26 ንስኻ ድማ ከምኡ ምእንቲ ሕሩም ከይትኸውንሲ፡ ገለ ፍንፉን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ፡ ተሐሪሙ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ጽልኣዮን ፈንፍኖን።

1 ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።
2 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ፡ ዘክር።
3 ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ።
4 በዘን ኣርብዓ ዓምት ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለየን፡ እግርኻውን ኣይሐበጠን።
5 ሰብ ንወዱ ኸም ዚቐጽዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከምኡ ኸም ዝቐጽዓካ፡ ብልብኻ ፍለጥ።
6 እምበኣር ብመገዱ ንምኻድን ንእኡ ንምፍራህን፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ።
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ እሞ፡ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ፡
8 ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡ ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡
9 እንጌራ ድኽነት ዘይትበልዓላ፡ ገለ እኳ ዘይጐድለካ ምድሪ፡ ኣእማና ሓጺን፡ ካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትዅዕተላ ምድሪ።
10 ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ፡ እታ ጽብቕቲ ምድሪ ስለ ዝሀበካ፡ ከተመስግኖ ኢኻ።
11 ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን፡ ብዘይ ምሕላውካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዖ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
12 በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡
13 ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሔ፡
14 ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ፡
15 በቲ ዚነዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፡ ማይ ብዜብሉ ኣጻምእ ገፊሕን ዜፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡
16 ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ እዚ ኸኣ ምእንቲ ኼዋርደካን ኪፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ኬጸብቐልካ ኢሉ እዩ።
17 ብልብኻ፡ ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበለይ፡ ከይትብል እዩ።
18 ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።
19 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላክካ እንተ ረሳዕካ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ እንተ ሰገድካሎምን ከኣ፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ።
20 ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ህዝብታት፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።

 

1-2 ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ፡ ደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም፡ ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፧ ኪበሀል ዝሰማዕካ፡ ክትወርሶም ክትኣቱ ኢኻ።
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ኸም ዚባላዕ ሓዊ ቐቅድሜኻ ኸም ዚሓልፍ ከኣ፡ ሎሚ ፍለጥ። ንሱ ኼጥፍኦም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኼዋርዶም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረበካ፡ ከተውጽኦም፡ ቀልጢፍካ ድማ ከተጽንቶም ኢኻ።
4 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጎም ድማ፡ ብልብኻ፡ ጻድቕ ብምዃነይ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽወርሳ ኣእትወኒ፡ ኣይትበል። ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎስ ሕሱማት ብምዃኖም ደኣ እዩ።
5 ብጽድቅኻን ብቕንዕና ልብኻን ኣይኰንካን ንስኻ ንምድሮም እትኣትዋን እትወርሳን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ፡ በቲ ሕሱም ዝገበርዎ፡ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ዝመሐለሎም ነገር ምእንቲ ኬቕውም ደኣ እዩ።
6 ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ስለ ጽድቅኻ ርስቲ ገይሩ ኸም ዘይሀበካ፡ ፍለጥ።
7 ዘክር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዘዀሬኻዮ፡ ኣይትረስዕ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ዐሎኹምዎ።
8 ኣብ ሆሬብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ተናዲዱኩም ኬጥፍኣኩም ደለየ።
9 ነተን ጽላት እምኒ፡ ናይቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን፡ እቲ ጽላት ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩ፡ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ።
10 እግዚኣብሄር ድማ፡ በጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፉ ኽልተ ጽላት እምኒ ሀበኒ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ምሳኻትኩም እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ከኣ ኣብኤን ተጽሒፉ ነበረ።
11 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እግዚኣብሄር እተን ክልተ ጽላት እምኒ፡ ጽላት ኪዳን፡ ሀበኒ።
12 እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ንርእሱ ኣባላሽዩ፡ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፡ ዝፈሰሰ ምስሊ ገይሮም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በለኒ።
13 እግዚኣብሄር ከኣ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ ኣሎኹ፡ እንሆ፡ ንሱ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ።
14 ከጥፍኦም፡ ስሞምውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፡ ንኣኻ ድማ ካባታቶም ዚሕይልን ዚበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ ኢሉ በለኒ።
15 ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ እቲ ኸረን ድማ ብሓዊ ይነድድ ነበረ፡ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከኣ ኣብ ክልቲኤን ኢደይ ነበራ።
16 ጠመትኩ ድማ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በደልኩም፡ ንኣኻትኩም ዝፈሰሰ ምራኽ ገበርኩም፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም።
17 እተን ክልተ ጽላት ሐዝኩ፡ ካብ ክልቲኤን ኢደይ ደርብየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሰበርክወን።
18-19 በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኰርይዎ ዝነበረ ዅራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝዀነ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ዝገበርኩምዎ ዅሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ቐዳማይ፡ እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩ። በታ ጊዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ።
20 ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዖ፡ ኬጥፍኦውን ደለየ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ምእንቲ ኣሮን ለመንኩ።
21 ነቲ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣትኩም፡ ነቲ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣንደድክዎ፡ ቀጥቂጠ ኸም ተጐጓ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ኣድኪመ ጠሐንክዎ፡ ነቲ ተጐጓ ኸኣ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዚወርድ ርባ ደርቤኽዎ።
22 ኣብ ታብዔራን ኣብ ማሳን ኣብ ቂብሮት-ሂታኣባ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ።
23 እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይቡ እሞ ነታ ዝህበኩም ምድሪ ውረስዋ፡ ኢሉ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ለኣኸኩም፡ ሽዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዐሎኹምዎ ኣይአመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን።
24 ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ንነጀው ንእግዚኣብሄር ዓለውቲ ኢኹም ዝነበርኩም።
25 እግዚኣብሄር፡ ከጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ በተን ተደፊኤለን ዝነበርኩ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩ።
26 ንእግዚኣብሄር ድማ ለመንክዎ፡ በልኩውን፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ነቲ ብዕቤትካ ዘድሐንካዮ፡ ብሓያል ኢድካውን ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍእ።
27 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ባሮትካ ዘክር። ናብ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ህልኽን ምሕሳምን ሓጢኣትን ኣይትጠምት።
28 እታ ኻብኣ ዘውጻእካና ሃገር፡ እግዚኣብሄር ናብታ ዘተስፈዎም ሃገር ኬእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝጸልኦምን፡ ምእንቲ ኣብ በረኻ ኺቐትሎም ኣውጽኦም፡ ከይትብል፡
29 እዚኣቶምሲ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም።

 

1 በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብ ከረን ደይብ፡ ካብ ዕጨይቲ ድማ ታቦት ግበር።
2 እቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ።
3 ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ከኣ ታቦት ገበርኩ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒውን ጸረብኩ፡ ንኽልቲኤን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ከረን ደየብኩ።
4 እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ነጊረኩም ዝነበረ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጸሓፈን። እግዚኣብሄር ድማ ንኣይ ሀበኒ።
5 ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦታ ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ።
6 ደቂ እስራኤል ድማ፡ ካብ ብኤሮት-ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ። ኣብኡውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።
7 ካብኡ ድማ ንጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳውን ንዮጥባታ፡ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት፡ ተጓዕዙ።
8 በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኪጸውር፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ኪቐውም፡ ንእኡ ኼገልግል፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ብስሙ ኺምርቕ፡ ፈለዮ።
9 ስለዚ ንሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተዛረቦ፡ ርስቱስ እግዚኣብሄር እዩ።
10 ኣነ ድማ ኣብቲ ኸረን ከምተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ቈምኩ። በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዓኒ፡ እግዚኣብሄር ኬጥፍኣካ ኣይፈተወን።
11 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብታ ታቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጐዐዝ፡ በለኒ።
12-13 ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧
14 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናቱ እዩ።
15 ድላዩ ነቦታትካ ጥራይ ነበረ እሞ፡ ፈተዎም፡ ብድሕሪኦም ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ካብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ሐረየኩም።
16 እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ፡ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ።
17 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።
18 ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፡ ንስደተኛውን ይፈቱ፡ እንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ።
19 ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ስደተኛ ፍተዉ።
20 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንእኡ ኣምልኽ፡ ናብኡ ኸኣ ተጸጋዕ፡ ብስሙውን ምሐል።
21 ንሱ ውዳሴኻ እዩ፡ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ድማ ንሱ እዩ።
22 ኣቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ።

 

1 ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ እቲ ሐልዎ ዝበለካ ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱን ወርትግ ሐሉ።
2 ነቶም መግናሕቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዕቤቱን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ሎሚ ፍለጡ።
3 እቲ ኣብ ማእከል ግብጺ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኣብ ብዘላ ሃገሩን ዝገበሮ ትእምርትታቱን ግብርታቱን።
4 ኣብ ሰራዊት ግብጽን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ ድማ፡ እቲ ኺሰጉኹም ከለዉ፡ እቲ ማይ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ልዕሊኦም ከም ዝደፈኖም፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ከም ዘጥፍኦም፡
5 ንኣኻትኩም ከኣ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበጽሑ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዝገበሮ፡
6 ኣብ ዳታንን ኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፡ ዝገበሮ ድማ፡ ምስ ስድራ ቤቶምን ድንኳውንቶምን ምስ ኵሉ ዚስዕቦም ዝነበረ ህያውን፡ ኣብ ማእከል ኵሉ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኸም ዝወሐጠቶም፡ ሎሚ ፍለጡ።
7 ከመይሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ርኢኹም።
8-9 ስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስተይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ መዓልትታትኩም ኪነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልዉ።
10 እታ ኽትወርሳ እትአትዋ ምድሪ ከምታ ኻብኣ ዝወጻእኩምላ ምድሪ ግብጺ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኰነትን።
11 እታ ኽትወርስዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድርስ፡ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ ምድሪ ኣኽራንን ለሴታትን እያ፡
12 ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚከናኸና ሃገር፡ ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከኣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ወርትግ ኣብኣ እየን።
13 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከተፍቅርዎ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ድማ ከተገልግልዎ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት ኣጸቢቕኩም እንተ ትሰምዕዎ፡
14 ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ምእንቲ ኽትእክብ፡ ዝናም ምድርኹም በብጊዜኡ፡ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ክህበኩም እየ።
15 ኣብ ግራሁኻ ድማ ንማልካ ሳዕሪ ኽህበን እየ፡ ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ።
16-17 ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፡ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባኻትኩም ከይነድድ፡ ንሰማይ ከየዝንም ከይዐጽዎ እሞ ምድሪ ፍሬኣ ኽይትኸልእ፡ ንስኻትኩም ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከይትጠፍኡስ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
18 እምበኣር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን።
19 ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሀርዎም።
20 ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሐፎ።
21 እዚ ድማ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ መዓልትታትኩምን መዓልትታት ደቅኹምን ከም መዓልትታት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኺበዝሓ እዩ።
22 እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ክትገብርዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኣ ከተፍቅሩ፡ ብዅለን መገድታቱ ኽትከዱን ናብኡ ኸኣ ክትለግቡን፡ ተጠንቂቕኩም እንተ ሐሎኹምዎ፡
23 ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኵሎም ካብ ቅድሜኹም ኪሰጎም እዩ፡ ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዚዐብዩን ንዚሕይሉን ህዝብታት ክትወርሱ ኢኹም።
24 እግርኹም ዝረገጻ ዘበለት ቦታ ናትኩም ክትከውን እያ፡ ዶብኩም ካብ በረኻ ክሳዕ ሊባኖስ፡ ካብቲ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ኪኸውን እዩ።
25 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፡ ናብ እትኸድዋ ዘበለት ምድሪ ፍርሃትኩምን ስምባድኩምን ኪሰድድ እዩ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዚብል የልቦን።
26 እንሆ፡ ሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኤንብር ኣሎኹ፡
27 እቲ ምርቓ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩም እዩ።
28 እቲ መርገም ድማ፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ መገዲ እንተ ዘበልኩም፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዐብኩም እዩ።
29 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ነቲ ምርቓ ኣብ ከረን ጌሪዞም፡ ነቲ መርገም ከኣ ኣብ ከረን ዔባል ኴንካ ንገር።
30 ንሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብኽንየው እታ ብምዕራብ ጸሓይ ዘላ መገዲ፡ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንጽር ጊልጋል ዘሎ ጐልጐል፡ ኣብ ጥቓ ድዋታት ሞሬ ዚነብሩ ከነኣናውያንዶ ኣይኰነን፧
31 ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድሪ ክትወርሱ፡ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትአትውዋ ኢኹም እሞ፡ ክትወርስዋን ክትነብርዋን ኢኹም።
32 እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘሎኹ ኵሉ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብርዎ ሐልዉ።

 

1 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ክትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኵለን መዓልትታት ኽትገብርዎ እትሕልውዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።
2 እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፡ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኵርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዜገልግሉለን ዝነበሩ ቦታታት ፈጺምኩም ኣጥፍእወን።
3 መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሐወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ከኣ ብሓዊ ኣንድዱ፡ እተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ኣውድቑ፡ ስሞም ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ኣጥፋኡ።
4 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ፡
5 ግናኸ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ፡ ነዛ ማሕደሩ ድለዩ፡ ናብኣውን ምጻእ።
6 ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብጽዓኹም ናይ ፍቓድ መባእኩምን በዅሪ ኣሓኹምን ኣባጊዕኩምን ናብኣ ኣምጽኡ።
7 ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፡ በቲ ኣእዳውኩም ዝዘርጋሕኩምሉ ዘበለ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሐጐሱ።
8-9 ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ርስትን ኣይአቶኹምን እሞ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእዮ፡ ኣይትግበሩ።
10 ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድኣት ክትነብሩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ጸላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፡
11 ሽዑ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ፡ እዚ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ናብኣ ኣምጽኡ፡ ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩምዎ ሕሩይ መብጽዓኹምውን።
12 ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን፡ ተባዕትዮ ግዙኣትኩምን ኣንስትዮ ግዙኣትኩምን ኣብ ውሽጢ ደጌታትኩም ዘሎ ሌዋዊ ኸኣ፡ ንሱ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሐጐሱ።
13 ዚሐርር መስዋእትኻ ኣብ ኵሉ ዝርኤኻዮ ቦታ ኸይተዕርግ፡ ንርእስካ ተጠንቀቕ።
14 ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ ኻብ ነገዳትካ ዝሐረያ ቦታ ደኣ፡ ኣብኣ ዚሐርር መስዋእትኻ ኣዕርግ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ኸኣ ኣብኣ ግበሮ።
15 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት ከም ድሌት ነፍስኻ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ሐሪድካ፡ ስጋ ብላዕ፡ ከም ሰስሓን ከም እራብን፡ ዘይንጹህን ንጹህን ይብልዓዮ።
16 ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዑ።
17 ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትካን በዅሪ ኣሓካን ኣባጊዕካን እተማባጻዕካዮ መብጽዓኻን ናይ ፍቓድ ህያብካን ዚለዐል መስዋእቲ ኢድካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸይትበልዖ ተጠንቀቕ።
18 ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻ ናብ ውሽጢ ደታትካ ዚነብር ሌዋውን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ብልዓዮ። በቲ ኢድካ ዝዘርጋሕካሉ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ።
19 ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብረሉ ዅሉ ዘበንካ ንሌዋዊ ኸይትሐድጎ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
20 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከምቲ ዝበለካ፡ ዶባትካ ምስ ኣግፍሔ፡ ነፍስኻውን ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሀገት፡ ስጋ ደኣ ኽበልዕ፡ እንተ በልካ፡ ከም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ ጌርካ ስጋ ብላዕ።
21 እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሓቐትካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዚህበካ፡ ካብ ኣሓኻን ካብ ኣባጊዕካን፡ ሐሪድካ፡ ከምቲ ዝአዘዝኩኻ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ ብላዕ።
22 ሰስሓን እራብን ከም ዚብልዓ ብልዓዮ፡ ርኹስን ንጹህን ከም ሓደ ይብልዕዎ።
23 ደም ከይትበልዕ ጥራይ ጽናዕ፡ እቲ ደም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ።
24 ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዓዮ።
25 ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ፡ ብድሕሬኻ ከኣ ንደቅካ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ኣይትብልዓዮ።
26 ሓንትስ እቲ ዘሎካ ቅዱስ ነገርን መብጽዓኻን ሒዝካ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ ኺድ።
27 ነቲ ዚሐርር መስዋእትኻ፡ ስጋኡን ደሙን፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰውኣዮ፡ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድካ ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይፍሰስ፡ ነቲ ስጋ ኸኣ ብልዓዮ።
28 ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ድማ ንደቅኻ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኩ ዅሉ ነገር ሐልዎን ስምዓዮን።
29 ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡
30 ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰል፡ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕ።
31 ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።
32 እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ክትገብርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ገለ ኣይትተንክዮ።

1 ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሃበካ፡
2 እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡
3 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ።
4 ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ብእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሐልዉ፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ።
5 ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝአዘዘካ መገዲ ኼግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ዘድሐነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
6 ሓውካ፡ ወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቚፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻ፡ ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ፡ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሐበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡
7 ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት፡
8 ሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሐፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውን።
9 ርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድም፡ ደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ።
10-11 ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ።
12-13 ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብረለን እግዚኣብሄር ዚሃበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ ቢልያል ካብ ማእከልካ ወጺኦም፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም፡ ንደቂ ዓዶም ኣስሓቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡
14 ሽዑ ድለ፡ መርምር ኣጸቢቕካ ኸኣ ጠይቕ፡ እንሆ ድማ፡ እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ ማእከልካ ኸም እተገብረ፡ ሓቅን ርግጽን እንተ ዀይኑ፡
15 ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ብስሕለት ሴፍ ኣበርቲዕካ ውቓዕ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘሎ ዂሉን ፈጺምካ ኣጥፍእ፡ ንኸብታውን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእ።
16 ካብኣ እተዘምተ ዘበለ ዂሉ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማን ንዂሉ ኻብኣ እተዘምተን ብመላኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሓዊ ኣንድድ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፡ መሊሳ ኸኣ ኣይትሰራሕ።
17-18 እግዚኣብሄር ካብ ንደት ኲራኡ ምእንቲ ኺምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ከኣ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ክትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝዀነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ።

1 ንስኻትኩምሲ ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፡ ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።
2 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኰኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ።
3 ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ።
4 እትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጤልን፡
5 እራብን ሰስሓን ዓገዜንን ድንኵላን ዝዖታን ሜዳቚን ቶራን።
6 ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ኵሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑ።
7 መጕስዕ ካብ ዚመልሱ፡ ሸዀናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጕስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸዀናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርዅሳት ይኹናኹም፡
8 ሓሰማ፡ ንሳ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጕስዕን እያ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ።
9 ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ዅሉ ብልዑ።
10 ክንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም።
11 ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
12 ካባታተን ከኣ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡
13 ሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱን፡
14 ኵሉ ኳዅ ድማ በብዓይነቱ፡
15 ሰገንን ጕጕትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱ፡
16 ንእሽቶ ጕንጓን ዓባይ ጕንጓን ቀራን ጕንጓ ድማ፡
17 ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡
18 ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕን፡
19 ክንፊ ዘልዎ ዅሉ ለመምታ ኸኣ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ።
20 ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
21 ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።
22 ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ዅሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ።
23 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍራህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ።
24 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለካ፡
25 ንገንዘብ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኺድ።
26 በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስካ ዝደለየቶ ዅሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ትሕጐሱ።
27 ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ።
28 ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ።
29 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን።

 

1 ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር።
2 እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሔ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተአውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓዉን ኣይድለዮ።
3 ካብ ጓና ደኣ ድለዮ፡ ኣብ ሓውካ ዘሎካ ግና ሕደገሉ።
4 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡ ድኻ ኣይርከበካን እዩ።
5 ሓንትስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ክትሕልዎን ክትገብሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ ደኣ ስምዓዮ እምበር፡
6 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ኸተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን።
7 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ።
8 ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ።
9 ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ።
10 ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ።
11 ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ።
12 እብራዊ ሓውካ፡ ወይ እብራዊት፡ ኣባኻ እንተ ተሸጠ፡ ሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ካባኻ ሓራ ኣውጺእካሕደጎ።
13 ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ኽትሐድጎ ኸሎኻ ድማ፡ ጥራዩ ኣይትስደዶ።
14 ካብ መጓሴኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቚ ወይንኻን ለጊስካ ሀቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባረኸካ መጠን ሀቦ።
15 ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸም ዘድሐነካ ዘክር፡ ስለዚ ኣነ ሎሚ እዚ ነገር እዚ እእዝዘካ ኣሎኹ።
16 ንሱ ግና፡ ምሳኻ ስለ ዝጠዐሞ፡ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ፡ ካባኻ ኣይወጽእን፡ እንተ በለካ፡
17 ኪኸውን እዩ፡ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኵሎ ንሓዋሩ ባርያኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበራ።
18 ካባኻ ሓራ ምስ እተውጽኦ ኣይኽበድካ፡ ክንዲ ዓስቢ ዓሳብ ዕጽፊ ገይሩ ሹድሽተ ዓመት ኣገልጊሉካ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብትገብሮ ዅሉ ኺባርኸካ እዩ።
19 ካብ ኣሓኻን ካብ በጊዕካን ኵሉ በዅሪ እተወልደ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀድሶ። ብበዅሪ ብዕራይካ ኣይትዕየ፡ በዅሪ በጊዕካ ድማ ኣይትቚረጽ።
20 ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ ቦታ ዓመት ንዓመት ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄንካ ብልዓዮ።
21 ገለ ጐደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝዀነ ኽፉእ እንታ ዘለዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ።
22 ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ብልዓዮ። ከም ናይ ሰስሓን እራብን፡ ንጹህን ዘይንጹህን፡ ከም ሓደ ይብልዕዎ።
23 ሓንትስ ደሙ ኣይትብላዕ፡ ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።

 

1 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ወርሒ ኣቢብ ሐሉ፡ ፋስጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብዕል።
2 ኣብታ እግዚኣብሄር ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣባጊዕካን ኣሓኻን ፋስጋ ሕረድ።
3 ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዔ እንጌራ፡ እንጌራ መከራ፡ ምስኡ ብላዕ። ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ዝበዅዔ እንጌራ ምስኡ ኣይትብላዕ።
4 ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ዶባትካ ብኹዕ ኣይርኤ። በታ መጀመርታ መዓልትስ ንምሸታ ኻብ ዝሐረድካዮ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
5 ኣብ ዝዀነ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ፡ ፋስጋ ኽትሐርድ ኣይትኽእልን።
6 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ደኣ፡ ኣብኣ፡ በታ ኻብ ግብጺ ዝወጻእካላ ጊዜ፡ ጸሓይ ክትዐርብ ከላ፡ ፋስጋ ሕረድ።
7 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኣብሲልካ ብልዓዮ። ንጽብሒቱ ድማ ተመሊስካ ናብ ድንኳናትካ ኺድ።
8 ሹድሽተ መዓልቲ ዘይበዅዔ እንጌራ ብላዕ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዓብዪ በዓል ኣኼባ እያ፡ ገለ ዕዮ ኣይትዕየ።
9 ሾብዓተ ሰሙን ቊጸር፡ ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረላ ሾብዓተ ሰሙን ክትቈጽር ጀምር።
10 ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት ከኣ ናይ ፍቓድ መባእ ኢድካ ብምቕራብ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል።
11 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ።
12 ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር እሞ ነዚ ሕጋጋት እዚ ሐልዎን ግበሮን።
13 ፍርያት ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቚ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ በዓል ዳስ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዕል።
14 ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ። ዘለዉ ሌዋውን ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ድማ ብበዓልካ ተሐጐስ።
15 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እቶትካን ብዅሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ፡ ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጉስ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መዓልቲ በዓል ኣብዕል።
16 ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት፡ በብዓል ቅጫን በብዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርኤ።
17 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሀብ።
18 ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሀበካ ዅለን ደጌታትካ ንነገዳትካ ፈራዶን መኳንንትን ግበሮ። ንህዝቢ ኸኣ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።
19 ፍርዲ ኣይተቕንን፡ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ። መማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን የዕውር፡ ነገር ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበል።
20 ምእንቲ ኽትነብር፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ከኣ ክትወርስሲ፡ ጽድቂ፡ እወ፡ ጽድቂ ስዐብ።
21 ኣብ ጎቦ እቲ ንኣኻ ኢልካ እትገብሮ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ዝዀነ ኦም ኣስታርተ ንኣኻ ኣይትትከል።
22 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚጸልኦ ሓወልቲ ኸኣ ኣይተቑም።

1 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኰነ ጐደሎ ወይ ዝዀነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ኣይትሰውኣዮ።
2 ኣብ ማእከልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ ኺዳኑ ብምፍራሱ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽፉእ ዚገብር እንተ ተረኽበ፡
3 ከይዶም ከኣ ንዘይኣዘዝክዎ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን፡
4 እዚ እንተ ነገሩኻ እሞ እንተ ሰማዕካ፡ ኣጸቢቕካ መርምር፡ ከምዚ ዝበለ ጽያፍ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ፡ ነገሩ ርግጽ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡
5 ሽዑ ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ደጌታትካ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ወይ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ኺሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተሎም።
6 እቲ ዚመውት ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ሰለስተ ምስክር ይሙት፡ ብኣፍ ሓደ ምስክር ኣይሙት።
7 ንምቕታሉ ቅድም ኢድ እቶም ምስክር፡ ደሐር ከኣ ኢድ ኵሉ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
8 ኣብ ደጌታትካ ብናይ ባእሲ ነገር፡ ኣብ መንጎ ደም ንደም፡ ኣብ መንጎ ባእሲ ንባእሲ፡ ኣብ መንጎ ቚስሊ ንቚስሊ፡ ንምፍራድ ኣዝዩ እንተ ሸገረካ፡ ተንሲእካ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ደይብ፡
9 ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልታት እቲኤን ዘሎ ፈራድን ኣቲኻ ሕተቶም፡ ንሳቶም ከኣ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ይነግሩኻ።
10 ከምቲ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ ዝነገሩኻ ነገር ግበር፡ ከምቲ ዝመሀሩካ ኵሉ ኽትገብር ተጠንቀቕ።
11 ከምቲ ዝመሀሩኻ ሕግን ከምቲ ዝነገሩኻ ፍርድን ግበር። ካብቲ ዝገለጹልካ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይትዝበል።
12 ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግል ደው ዚብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ብትዕቢት ምስማዕ ዚኣቢ ሰብ፡ እቲ ሰብ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
13 ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ፡ መሊሱውን ኣይዕበን።
14 ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን፡ ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡
15 ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶ። ሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌካ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ሰብ ኣብ ልዕሌካ ኣይተንግስ።
16 ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደኣ ኣየብዝሕ: ኣፍራስ ምእንቲ ኬብዝሕ ኢሉ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ። እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢሉኩም እዩ።
17 ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከኣ እምብዛ ኣየብዝሕ።
18 ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ።
19-20 ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዓልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።

1 ነቶም ሌዋውያን ካህናት፡ ንብዘሎ ነገድ ሌዊ፡ ምስ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሀልዎም፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓውን ርስቱን ይብልዑ።
2 ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ከኣ ርስቲ ኣይሀልዎም፡ ከምቲ ዝበሎም፡ ርስቶምሲ እግዚኣብሄር እዩ።
3 ካብቶም መስዋእቲ ሕሩድ ዚስውኡ ህዝቢ ኸኣ ንኻህናት ዚግባእ እዚ እዩ፡ ብዕራይ ኰነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ኢድን ምንጋጋታትን ከስዔን ንኻህን ይሀቡ።
4-5 ንሱን ደቁን ወርትግ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ኪቐውም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኵሎም ነገዳትካ ንእኡ ሐርይዎ እዩ እሞ፡ ቀዳማይ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ጸጕሪ በጊዕካንውን ንእኡ ሀቦ።
6 ሓደ ሌዋዊ ኣብ ዝዀነ ኣብ እስራኤል ዚነብር፡ ካብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ እንተ ወጸ እሞ ብምሉእ ድሌት ልቡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ እንተ መጸ፡
7 ሽዑ ኸምቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዚቘሙ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል።
8 ብጀካ እቲ ኻብ ናይ ኣቦታቱ እተሸጠ ዝመጾ፡ ግዲኦም ማዕረ ማዕረ ይብልዑ።
9 ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር።
10 ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡
11 ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ።
12 እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።
13 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን።
14 እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን።
15 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።
16 ከምቲ ኣብ ሆሬብ ብመዓልቲ ኣኼባ ኸምዚ ኢልካ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝለመንካዮ፡ ምእንቲ ኸይመውት መሊሰ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣይሰምዕን፡ እዚ ዓብዪ ሓዊ እዚ ድማ ደጊም ኣይርእን።
17 እግዚኣብሄር ከኣ፡ እቲ እተዛረብዎ ጽቡቕ እዩ፡ በለኒ፡
18 ከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ።
19 ይኸውን ከኣ፡ ነቲ ብስመይ ዚዛረቦ ዘረባይ ዘይሰምዕ ሰብ፡ ኣነ ኻብኡ ኽደልዮ እየ።
20 እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዪ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት፡
21 ብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ፡
22 እቲ ነብዪ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦ፡ እቲ ነገር እንተ ዘይኰነ፡ እንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዪ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ።

 

1 ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምድሮም ዚህበካ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስካዮም፡ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥካ፡
2 ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ሰለስተ ኸተማ ፍለ።
3 ንኣኻ መገዲ ጽረግ፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታል ነፍሲ ናብኡ ምእንቲ ኺሀድም ድማ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ዶብ ምድርካ ኣብ ሰለስተ ምቐሎ።
4 ናብኡ ዝሀደመ ቐታል ነፍሲ ምእንቲ ኺድሕን፡ ነገሩ ኸምዚ እዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለ፡
5 ዕጨይቲ ኪቘርጽ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፡ ኦም ኪቘርጽ ኢሉ፡ ማሕጸ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ነጺሉ፡ ነቲ ብጻዩ እንተ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኤን ሀዲሙ ድማ ብህይወት ይንበር።
6 ቀደም ጽልኢ ስለ ዘይነበሮ፡ ሞት ዘይግብኦ ኽነሱ፡ እቲ ፈዳይ ደም ልቡ ነዲድዎ ኸሎ፡ እቲ ቐታሊ ኸይሰጎ፡ መገዱ ስለ ዝረሐቐ ኸኣ፡ ኣርኪቡ ኸይቀትሎ፡
7 ስለዚ ኣነ፡ ሰለስተ ኸተማ ንኣኻ ፍለ፡ ኢሉ እእዝዘካ ኣሎኹ።
8 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም፡ ዶብካ ምስ ኣግፍሓልካ፡ እቲ ነቦታትካ ኽህቦም እየ ዝበለ፡ ኵላ እታ ሃገር ምስ ሀበካ፡
9 እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ እዚ ኽትገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ወርትግ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኤን ንኣኻ ኻልኦት ሰለስተ ኽትውስኽ ኢኻ።
10 እዚ ኸኣ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ኣብ ልዕሌኻ ደም ከይከውን እዩ።
11 ግናኸ ሓደ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸልኦ፡ ኣድብዩ ጸኒሑ ድማ፡ ተንሲኡ ኽሳዕ ዚመውት እንተ ወቕዖ፡ ናብ ሃንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን እንተ ሀደመ፡
12 ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሀብዎ፡ ይሙት ከኣ።
13 ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ነቲ ንጹህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ እምበር፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ።
14 ኣብቲ እትወርሶ ርስትኻ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ እቶም ቀዳሞት ዝደወብዎ፡ ዶብ ብጻይካ ኣይተግዕዝ።
15 ኣብ ዝዀነ በደል ወይ ኣብ ዝዀነ ሓጢኣት፡ ኣብ ዚግበር ዘበለ ሓጢኣት፡ ሓደ ምስክር ኣብ ሰብ ኣይቑም። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ብኣፍ ሰለስተ ምስክር ይቑም።
16 ሓሳዊ ምስክር ኣብ ሰብ ብገለ ኣበሳ ኺምስክር እንተ ተንስኤ፡
17 ሽዑ ኽልቲኦም ባእሲ ዘለዎም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ እቶም በተን መዓልትታት እቲኤን ፈራዶ ዝዀኑን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቑሙ።
18 እቶም ፈራዶ ድማ ኣጸቢቖም ይመርምሩ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ምስክር ሓሳዊ ምስክር እንተ ዀነ እሞ ኣብ ሓዉ ብሓሶት እንተ መስከረ፡
19 ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኺገብሮ ዝሐሰበ፡ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ።
20 እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኺሰምዑን ኺፈርሁን እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ነገር ኣብ ማእከልካ ኣይገብሩን።
21 ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፡ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፡ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፡ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ።

 

1 ምስ ጸላእትካ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤካ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም።
2 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፡
3-4 ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም፡ ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጅዉ።
5 እቶም መኳንንቲ ድማ ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ኣይዛረቡ። ሓድሽ ቤት ዝሰርሔ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ፧ ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ይመለስ።
6 ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ዘይተሐጐሰሉ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት፡ ካልእ ሰብ ድማ ከይሕጐሰሉ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ኸኣ ይመለስ።
7 ሰበይቲ እተሐጽየ ሰብ እሞ ዘየእተዋ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከይወስዳስ ይኺድ፡ ናብ ቤቱውን ይመለስ።
8 እቶም መኳንንቲ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ወሲኾም ይዛረብዎም፡ ይበሉ ድማ፡ ፈራህ ሰብ ልቡ ዚጀጁ መን ኣሎ፧ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ ከኣ ከይሽበርሲ፡ ይኺድ ናብ ቤቱውን ይመለስ።
9 ይኸውን ድማ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ ሓላቑ ሰራዊት ይሽሙ።
10 ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ኢልካ ምስ ቀረብካ፡ ቅድም ንዕርቂ ጸዎዓያ።
11 ይኸውን ድማ፡ ሕራይ ኢሎም ደገ እንተ ኸፈቱልካ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ኣብኣ እተረኽበ ዅሉ ህዝቢ ገባርካ ይኹን እሞ የገልግልካ።
12 እትዋግኣካ ደኣ እምበር፡ ዘይትዕረቐካ እንተ ዀነት፡ ሽዑ ኽበባ።
13 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ ድማ፡ ንብዘሎ ተባዕታይ ብስሕለት ሴፍ በሎ።
14 ኣንስትን ሕጻናት ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉን ግና፡ ብዘሎ ምርኮኣ ንኣኻ ምርኮ ውሰዶ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኻ ዝሀበካ ምርኮ ጸላእትካ ኸኣ ክትበልዕ ኢኻ።
15 ነተን ካባካ ኣዝየን ዝረሐቓ ዅለን ከተማታት፡ ካብ ከተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ዘይኰና፡ ከምኡ ግበረለን።
16 ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጎ።
17-18 ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ንኣማልኽቶም ዚገብርዎ ዅሉ ጽያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም።
19 ንሓንቲ ኸተማ፡ ምእንቲ ኽትሕዛ ብዙሕ መዓልቲ ምስ እትኸባ፡ ኣእዋማ ብማሕጸ ኣይተጥፍእ። ካብኤን ክትበልዕ ኢኻ እሞ፡ ኣይትቚረጸን። ኣእዋም መሮር፡ ንስኻ እትኸቦም፡ ሰባትዶ እዮም፧
20 እተን ከም ዘይብላዕ ዝፈለጥካየን ኣእዋም ጥራይ ኣጥፍእ፡ ቊረጽ ድማ፡ እታ እትዋግኣካ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፡ መኽበቢኣ ስርሓላ።

1 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ እተቐትለ ሰብ ኣብ መሮር ወዲቑ እንተ ተረኽበ፡ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ።
2 ሽዑ ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡ ካብቲ እተቐትለ ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታት ይስፈሩ።
3 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እታ ናብቲ እተቐትለ ዝቐረበት ከተማ፡ እቶም ዓብየቲ እታ ከተማ ዘይዐየየት ኣርዑት ዘይሰሐበት ኣርሒ ይውሰዱ።
4 እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ነታ ኣርሒ ናብ ዘይዕየን ዘይዝራእን ወሓዚ ርባ የውርደዋ። ኣብቲ ርባ ኸኣ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ።
5 ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግልዎ ብስሙውን ኪባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡ። ኵሉ ባእስን ኵሉ መፍጋእትን ከኣ ከም ቃሎም ይቑም።
6 ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ዂሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ርባ ኽሳዳ እተሰብረት ኣርሒ ኣእዳዎም ይተሐጸቡ፡
7 ይምለሱ ይበሉ ኸኣ፡ ነዚ ደም እዚ ኣእዳውና ኣየፍሰሶን፡ ኣዒንትናውን ኣይረኣያን።
8 ዎ እግዚኣብሄር፡ ነዚ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፡ ንጹህ ደም ድማ ኣብ ማእከል ህዝብኻ እስራኤል ኣይትቚጸር። እቲ ደም ከኣ ይስረየሎም።
9 ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እቲ ቕኑዕ ምስ እትገብር፡ ንስኻ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ።
10 ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ፡ ምስ ማረኽካዮምውን፡
11 ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዔኛ ሰበይቲ እንተ ርኤኻ እሞ ፈቲኻያ ሰበይትካ ኽትገብራ እንተ ደሌኻ፡
12 ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣእትዋ፡ ርእሳ ኸኣ ትላጺ፡ ጽፍራውን ትቚረጽ።
13 ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳና ድማ ትደርብዩ፡ ኣብ ቤትካ ትንበር፡ ነቦኣን ነዲኣን ከኣ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም። ድሕርዚ ኣእትዋ እሞ ሰብኣያ ኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን።
14 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ባህ እንተ ዘይበለትካ፡ ሽዑ ናብ ዝደለየቶ ትኺድ ሕደጋ። ንገንዘብ ግና ከቶ ኣይትሽጣ፡ ኣዋሪድካያ ኢኻ እሞ፡ ከም ባርያ ኣይትግበራ።
15 ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡
16 ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኺገብር ኣይኽእልን።
17 ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ።
18 ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡
19 ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡
20 ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎም።
21 ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።
22 ሰብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ፡
23ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር። እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ኣይተርክሳ።

 

1 ናይ ሓውካ ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኦም እንተ ርኤኻ፡ ናብ ሓውካ ምለሶም እምበር፡ ካብኦም ኣይትተሐባእ።
2 እቲ ሓውካ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዘይኮነ ወይ እንተ ዘይፈለጥካዮ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣክቦ፡ እቲ ሓውካ ኽሳዕ ዚደልዮ፡ ምሳኻ ይጽናሕ፡ ሽዑ ምለሰሉ።
3 ንኣድጉ ኸምኡ ግበር፡ ብኽዳኑ ኸኣ ከምኡ ግበር፡ ብዝዀነ ናይ ሓውካ ዝጠፍኦ ኣቕሓ፡ ምስ ረኸብካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ክትሕባእ ኣይትኽእልን።
4 ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራይ ኣብ መገዲ ወዲቑ እንተ ርኤኻ፡ ምስኡ ዄንካ ንምትንሳኡ ሐግዞ እምበር፡ ካብኦም ኣይትተሐባእ።
5 ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።
6 ንቕድሜኻ ኣብ መገዲ ኣብ ዝዀነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዑፍ ምስ ጨጨውት ወይ እንቋቚሖ፡ ኣዲኦም ከኣ ነቶም ጨጨውት ወይ እንቋቚሖ ሐቚፋ እንተ ጸንሓትካ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨጨውታ ኣይትውሰዳ።
7 ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ መዓልትታትካ ኸኣ ኪነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም።
8 ሓድሽ ቤት ምስ እትሰርሕ፡ ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ፡ ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።
9 ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሐቢሩ ኸይቅደስ፡ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ
10 ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ።
11 ካብ ጸጕርን ልሕጺ እንጣጢዕን ተሐዊሱ እተአልመ ዓለባ ኣይትከደን።
12 ነቲ እተኸድኖ ኽዳንካ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበረሉ፡
13 ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸኣ እንተ ጸልኣ፡
14 ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋ፡ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡
15 ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዋ።
16 ኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ይበሎም፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ ሀብክዎ፡ ንሱ ኸኣ ጸልኣ።
17 እንሆ ድማ፡ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ዜነውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ።
18 ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ።
19 ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ከኣ ትኹን፡ ብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን።
20 እቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፡
21 ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
22 ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
23 ኣብ ሰብኣይ እተሐጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡
24 እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
25 ግናኸ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ደቀሳ፡ ሽዑ እቲ ዝደቀሳ ሰብኣይ በይኑ ይሙት።
26 ነታ ጓል ግና ገለ ኣይትግበራ፡ እዚ ሰብኣይ ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዚቐተሎ እዩ እሞ፡ እታ ጓልሲ ንሞት ዚኸውን በደል የብላን።
27 ኣብ መሮር እዩ ዝረኽባ እምበር፡ ንሳ፡ እታ ሕጽይቲ ጓልሲ፡ ኣእውያ፡ ዜድሕና ግና ኣይነበረን።
28 ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሐጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡
29 እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ነቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትዅን። ብዅ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን።
30 ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ፡ ወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ።

 

1 ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
2 ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
3 ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብኦም ዓስራይ ወለዶ እኳ ኽሳዕ ዘለኣለም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
4 እዚ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣብ መገዲ እንጌራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመካ፡ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም-ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምጽእዎ እዩ።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንበላዓም ኪሰምዖ ኣይፈተወን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ መለሰልካ።
6 ምሉእ ዕድሜካ ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለ።
7 ንኤዶማዊ፡ ሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትፈንፍኖ። ንግብጻዊ፡ ኣብ ሃገሩ ስደተኛ ኔርካ ኢካ እሞ፡ ኣይትፈንፍኖ።
8 ካብ ሳልሳይ ወለዶ እተወልዱ ቘልዑኦም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ይእተዉ።
9 ንጸላእትኻ ኽትወግእ ወጺእካ ምስ እትሰፍር፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ተጠንቀቕ።
10 ኣባኻ ገለ ብለይቲ ብዝመጾ ነገር ዘይጽሩይ ሰብኣይ እንተሎ፡ ካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይውጻእ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ኣይእቶ።
11 ይኸውን ድማ፡ ኣጋምሸት ማይ ይተሐጸብ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ።
12 ኣብ ወጻኢ ሰፈር እትወጸሉ ቦታ ይሀሉኻ።
13 ምስ መሳርያኻ ድማ ሓንካሾ ሐዝ፡ ይኸውን ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጉድጓድ ኽትኵዕት፡ ነቲ ውጽኣትካ ተመሊስካ ኽትከድኖ ኢኻ።
14 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምእንቲ ኼድሕነካን ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኺህበካን፡ ብማእከል ሰፈርካ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ፡ ገጹ ኸኣ ካባኻ ኸይመልስ፡ እቲ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን።
15 ካብ ጐይታኡ ሀዲሙ ንእተማዕቈበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ።
16 ምሳኻ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ዝሔሸቶ ኣብ ዝሐረያ ቦታ ይቀመጥ፡ ኣይተጥቅዓዮ ኸኣ።
17 ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከኣ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን።
18 ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝዀነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ።
19 ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
20 ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
21 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።
22 እንተ ዘይተማባጻዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን።
23 እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሐልዎን ግበሮን።
24 ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ ኣቶኻ፡ ካብቲ ወይኒ ዊን ከም ዝበለካ፡ ክሳዕ እትጸግብ፡ ብላዕ፡ ናብ ኣቕሓኻ ግና ኣይትግበር።
25 ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ምስ ኣቶኻ፡ ሰዊት ብኢድካ ቕጸ፡ ማዕጺድ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ ኣይተእቱ።

 

1 ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባ፡ ካብ ቤቱውን ይስደዳ።
2 ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡
3 እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአ፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባ፡ ካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ፡
4 እንድሕሪ ረኸሰት፡ እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ መሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።
5 ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ናብ ውግእ ኣይውጻእ፡ ገለ ናይ ዕዮ ነገርውን ኣይጽዐንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን፡ ነታ ዝወሰዳ ሰበይቱ ባህ የብላ።
6 ሰብ መጥሓንን መዲድን፡ ንሱ ነፍሲ እዩ ዚሕዝ ዘሎ እሞ፡ ንታሕዚ ኣይውሰዶ።
7 ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኺገብሮ ወይ ኪሸጦ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእሲ ኻብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
8 ካብ ሕማም ለምጺ ተሐሎ፡ ከምቲ ሌዋውያን ካህናት ዝመሀሩኹም፡ ኵሉ ኽትገብር ኣጸቢቕካ ተጠንቀቕ። ከምቲ ኣነ ዝአዘዝክዎም፡ ክትገብሩ ተጠንቀቑ።
9 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸሎኹም፡ ንሚርያም ዝገበሮ ዘክር።
10 ንብጻይካ ገለ ለቕሓ ምስ እትለቅሖ፡ ታሕዚ ኽትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ።
11 ኣብ ግዳም ደው ኢልካ ጽናሕ፡ እቲ ንስኻ ዘለቃሕካዮ ሰብ ነቲ ታሕዚ ናብ ግዳም ናባኻ የውጽኣዮ።
12 እቲ ሰብ ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ እቲ ታሕዙ ኣባኻ ኣይተሕድር።
13 ተኸዲንዎ ምእንቲ ኺድቅስ፡ እቲ ታሕዚ ዕርበት ጸሓይ ምለሰሉ፡ ይምርቐካ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ንጽድቂ ይዀነካ።
14 ካብ ኣሕዋትካ እንተ ዀነ፡ ወይ ኣብ ሃገርካ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኻብ ዚነብሩ ጓኖትካ እንተ ዀነ፡ ንድኻን ሽጉርን ወዓላይ ኣይትዐምጾ።
15 ንሱ ድኻ እዩ፡ ነፍሱ ኸኣ ንእኡ ትጽበ ኣላ እሞ፡ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት ሀቦ። እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ፡ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ።
16 ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፡ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት።
17 ንስደተኛን ንዘኽታምን ፍርዲ ኣይትጥወ፡ ክዳን መበለት ከኣ ንታሕዚ ኣይትውሰድ።
18 ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ከም ዝነበርካን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ካብአ ኸም ዘድሓነካን ዘክር። ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ፡ ኣነ እእዝዘካ ኣሎኹ።
19 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ዓጺድካ ኣብ ግራትካ ኽትዐጽድ ከሎኻ፡ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተረሳዕካ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፡ ክትወስዶ ኣይትመለስ።
20 ኣውልዕካ ምስ እተርግፍ፡ መሊስካ ኣብ ጨናፍር ኣይትእረ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።
21 ወይንኻ ምስ እትቕንጥብ፡ መሊስካ ኣይተቐርሞ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።
22 ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፡ ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ እእዝዘካ ኣሎኹ።

 

1 ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ዀነ፡ ኺፍረዱውን ናብ ፍርዲ እንተ መጹ፡ ነቲ ቕኑዕ ናጻ የውጽእዎ፡ ነቲ በዳሊ ኸኣ ይፍረድዎ።
2 ይኸውን ድማ፡ እቲ በደለኛ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ፈራዲ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ፡ ከም በደሉ ልክዕ ብቚጽሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ።
3 ኣርብዓ ይግረፎ፡ ሓለፋ እቲ ቚጽሪ ኣብዚሑ እንተ ገረፎ፡ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸይሐስር ካብኡ ኣይብዛሕ።
4 ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር።
5 ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ ኣትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ።
6 ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፡ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ።
7 እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገ፡ ናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም።
8 ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ።
9 እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉ፡ ቤት ሓዉ ንዘይሰርሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ።
10 ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤል፡ ቤት ፍቱሕ ሳእኑ፡ ይበሀል።
11 ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም እንተ ተባእሱ፡ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸኣ፡ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዚወቕዖ ኸተድሕኖ፡ ኢዳ ዘርጊሓ ሕፍረቱ እንተ ሐዘት፡
12 ኢዳ ቚረጻ፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየላ።
13 ኣብ ከረጺትካ በበይኑ ሚዛን፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።
14 ኣብ ቤትካ በበይኑ መስፈሪ፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።
15 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜካ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ድልድልን ቅኑዕን ሚዛን ይሀሉኻ፡ ድልድልን ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሀሉኻ።
16 እዚ ዚገብር ኵሉን ዓመጻ ዚገብር ኵሉን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።
17 እቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ዝገበረካ ዘክሮ።
18 ንስኻ ደኺምካን ተሐሊልካን ከሎኻ፡ ኣብ መገዲ ተጓነፈካ ንእግዚኣብሄር ከይፈርሄ ኸኣ፡ ነቶም ዳሕሮትካ፡ ንዅሎም ኣብ ድሕሬኻ ዝነበሩ ድኹማት ወቕዔ።
19 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣዕረፍካ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስሶ፡ ኣይትረስዓዮ።

 

1 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ወሪስካያ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ ድማ፡
2 ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኵሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኺድ።
3 ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን አቲካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኺሀበና፡ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ኸም ዝአቶኹ፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኤፍልጥ ኣሎኹ፡ ትብሎ።
4 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ።
5 ንስኻ ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ኢልካ ትመልስ፡ ኣቦይ ንምጥፋእ ዝቐረበ ኣረማዊ ነበረ፡ ናብ ግብጺ ከኣ ወረደ፡ ቊጽሩ ሒደት ከሎ ድማ፡ ስደተኛ ዀይኑ ኣብኣ ተቐመጠ፡ ኣብኣ ኸኣ ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ዀነ።
6 ግብጻውያን ግና ክፉእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዐኑና።
7 ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸኣ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰምዔ። ምጥቃዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከኣ ረአየ።
8 እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።
9 ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ኣእተወና፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ሀበና።
10 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሀብካኒ ምድሪ ኣምጺኤ ኣሎኹ፡ ኢልካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ አንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ስገድ።
11 በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣኻን ንቤትካን ዝሀበካ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ንስኻ፡ እቲ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዚነብር ስደተኛን ከኣ፡ ክትሕጐስ ኢኻ።
12 በታ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር ኵሉ እቶትካ ኣውጺእካ ምስ ፈጸምካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ በሊዖም ኪጸግቡስ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀቦም።
13 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በል፡ ነቲ እተቐደሰ ኻብ ቤተይ ኣውጺኤ፡ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ዅሉ ትእዛዝካ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀብኩ፡ ካብ ትእዛዛትካ ገለ እኳ ኣየፍረስኩን ኣይረሳዕኩንውን።
14 ኣብ ጓህየይ ካብኡ ኣይበላዕኩን፡ ዘይንጹህ ከሎኹ ኸኣ ካብኡ ኣየውጻእኩን፡ ንገለ ምዉትውን ካብኡ ኣይሀብኩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ሰማዕኩ፡ ብዅሉ ነገር ድማ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ገበርኩ።
15 ካብቲ ቅዱስ ማሕደርካ፡ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ፡ ንህዝብኻ እስራኤልን፡ ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፡ ንኣና ዝሀብካና ምድርን፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ባርኽ።
16 በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዚ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ ኣሎ እሞ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ሐልዎን ግበሮን።
17 እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ንስኻ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ክትሕሉ ቓሉውን ክትሰምዕ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ።
18-19 ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳሴን ንስምን ንኽብርን ከኣ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ።

1 ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልውዎ።
2 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቚም እሞ፡ ብኖራ ለቕልቆ።
3 ምስ ተሳገርካ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ እተዛረበካ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽትኣቱስ፡ ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ዅሉ ቓላት ጽሐፍ።
4 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኣእማን ኣብ ከረን ዔባል ኣቚምዎ፡ ብኖራ ኸኣ ለቕልቕዎ።
5 ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብሓጺን ዘይተንኬኻዮ ኣእማን፡ መሰውኢ ንደቕ።
6 ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውእስ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቆ፡ ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርግ።
7 መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእካ ኣብኡ ብላዕ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ።
8 ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ግሉጽን ጽቡቕን ጌርካ ኣብቲ ኣእማን ጽሐፎ።
9 ሙሴን እቶም ካህናት ሌዋውያንን ከኣ ንዅሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ ዎ እስራኤል፡ ስቕ ኢልካ ስማዕ፡ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄናካ ኢኻ።
10 እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ ግበር።
11 ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡
12 ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ እዚኣቶም ኣብ ከረን ጌሪዚም ቈይሞም ንህዝቢ ይባርኹ፡ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን።
13 እዚኣቶም ድማ ኣብ ከረን ዔባል ቈይሞም ይርገሙ፡ ሮቤል፡ ጋድ፡ ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን።
14 ሌዋውያን ድማ ይምለሱ፡ ንዅሉ ሰብ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ድምጺ ይበሉ፡
15 እተወቕረን ዝፈሰሰን፡ እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖ፡ በእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረ፡ ሐቢኡ ኸኣ ዜንብሮ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን፡ ኢሉ ይምለስ።
16 ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
17 ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን፡ ይበል።
18 ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
19 ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን ይበል።
20 ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል።
21 ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።
22 ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
23 ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።
24 ንብጻዩ ብስዉር ዚቐትል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
25 ነፍሲ እቲ ንጹህ ኪቐትል መማለጃ ዚቕበል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን፡ ይበል።
26 ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኺገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

 

1 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ።
2 ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።
3 ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን።
4 ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን።
5 መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን።
6 ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን።
7 ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዓርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይመጹኻ፡ ካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ።
8 እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ።
9 ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ።
10 ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ።
11 ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካ፡ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ።
12 ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ።
13-14 ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።
15 ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግባሩ ድማ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።
16 ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን።
17 መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን።
18 ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን።
19 ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን።
20 ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ።
21 ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ።
22 እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም።
23 ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ።
24 እግዚኣብሄር ዝናም ምድርኻ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ።
25 እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾም፡ ብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕ።
26 ሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦን።
27 እግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ።
28 እግዚኣብሄር፡ ብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ።
29 ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካን፡ ወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦን።
30 ሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳ፡ ቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራን፡ ወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉን።
31 ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍ፡ ኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባ፡ ዚረድኣካ ኸኣ የልቦን።
32 ኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡ፡ ኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን።
33 ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን።
34 ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡
35 እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ።
36 እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕንጨይትን ንእምንን፡ ከተምልኽ ኢኻ።
37 ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን።
38 ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብ።
39 ወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን።
40 ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከን፡
41 ኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን።
42 ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ።
43 ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድ።
44 ንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን።
45 እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ።
46 ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም።
47 ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡
48 ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ።
49 ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢ፡ ከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ።
50 ጨካን ዝገጹ ህዝቢ፡ ገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍር፡ ንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ።
51 ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካ፡ ስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ።
52 እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ።
53 በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ።
54 ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም።
55 በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡
56 ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትን፡ ብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም።
57 በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ።
58 ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካ፡
59 እግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲ፡ ሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ።
60 ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ።
61 ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ።
62 ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም።
63 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም።
64 እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ።
65 ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ።
66 ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን።
67 በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ።
68 በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲ፡ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን።

 

1 እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ሆሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝአተዎ ኺዳን ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከኣ ንሙሴ ምሳታቶም ኪአቱ ዝአዘዞ ቓላት ኪዳን እዚ እዩ።
2-3 ሙሴ ድማ ንብዘለዉ እስራኤል ጸውዔ በሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንዅሎም ገላውኡን ንዅላ ምድሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበሮ፡ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓበይቲ ፈተናታት፡ እቲ ትእምርትታትን ዓበይቲ ተኣምራትን ከኣ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
4 ግናኸ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ልቢ ንምፍላጥ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ኣይሀበኩምን።
5 ኣርብዓ ዓመት ድማ ኣብ በረኻ መራሕኩኹም፡ ክዳውንትኹም ኣብ ዝባንኩም ኣይበለየን፡ ሳእኒ ድማ ኣብ ኣእጋርካ ኣይበለየን፡
6 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡስ፡ እንጌራ ኣይበላዕኩምን ወይንን ብርቱዕ መስተን ከኣ ኣይሰቴኹምን።
7 ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መጻእኩም ከኣ፡ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን ዖግ ንጉስ ባሳንን ኪዋግኡና ኢሎም ኪቃባበሉና ወጹ፡ ንሕና ድማ ሰዐርናዮም።
8 ሃገሮም ከኣ ሐዝና፡ ንሮቤልን ንጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከኣ ርስቲ ሀብናዮም።
9 እምበኣር እትገብርዎ ዅሉ ምእንቲ ኺሰልጠኩምሲ፡ ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ሐልውዎን ግበርዎን።
10-13 ከምቲ ዝበለካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቘሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቚመካ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኵሉኹም፡ ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መኳንንትኹምን፡ ኵሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቈልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትኻ ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣሎኹም።
14-15 እዚ ኺዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዚ ምሳና ቘይሞም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዚ ዘየለዉን ድማ እምበር፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ኣይኰንኩን ዘቚሞ ዘሎኹ።
16 ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዝነበርናን በቶም ብማእከሎም ዝሐለፍኩም ህዝብታት ድማ ከም ዝሐለፍናን፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
17 እቲ ጽያፎምን እቲ ኣባታቶም ዝነበረ ናይ ዕጨይትን እምንን ብሩርን ወርቅን ጣኦታቶምን ርኤኹም።
18 እምበኣርሲ ሰብኣይ ኰነ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ዓሌት ወይ ነገድ፡ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመልስ እሞ ከይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ህዝብታት እቲኣቶም ዜምልኽ ከይህልወኩም፡ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዜብቊል ሱር ከኣ ከይርከበኩም፡
19 ከይኸውን ድማ፡ ቃላት እዚ መርገም እዚ ሰሚዑስ፡ ብልቡ ነታ ነፍሱ ኸምዚ ኢሉ ዚባርኻ፡ ኣነስ፡ ብትሪ ልበይ እንተ ኸድኩ፡ ንጽምኣተይ ድማ ስኽራን እንተ ወሰኽኩሉ፡ ሰላም ይዀነለይ።
20 እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን፡ ሽዑ ግና ዅራ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ደኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቲ ይተክኽ፡ እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ እዩ።
21 እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ኪዳን፡ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብ ክፉእ ኪፈልዮ እዩ።
22 ዳሕራይ ወለዶ፡ ብድሕሬኹም ዚትንስኡ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ጓናን ከኣ ናይ እዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምጽኣላ ሕማምን ምስ ዚርእዩ፡ ኪብሉ እዮም፡
23 ከምቲ እግዚኣብሄር ኰርዩን ነዲዱን ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንጽቦይምን ዝገምጠለን ምግምጣል፡ እታ ምድሪ ዅላ ከይትዝራእን ከይተፍርን ገለ ሳዕሪ ኸይተብቍልን፡ ዲንን ጨውን ንዳድን ኰነት።
24 ኵሎም ህዝብታት ድማ ኪብሉ እዮም፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ ስለምንታይከ እዚ ዓብዪ ዅራኡ ነደደ፧
25 ይብሉ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደጉ፡
26 ከይዶም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንዘይፈልጥዎምን ንዘይተዋህቡዎምን ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ።
27 ስለዚ እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ብዘሎ መርገም ኬምጽኣላ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ነደደ።
28 እወ፡ እግዚኣብሄርሲ ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቚጥዓን ካብ ሃገሮም ምሕው ኣቢሉ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።
29 እቲ ስዉር ነገር ዘበለ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብር፡ እቲ ግሉጽ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።

 

1 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ዅሎም ህዝብታት ኴንካ ኸኣ፡ ናብ ልብኻ ተመሊስካ እንተ ሐሰብካዮ፡
2 ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ፡ ንስኻን ደቅኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ተመለስካ፡ ቃሉ ድማ እንተ ሰማዕካ፡
3 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምርኮኻ ይመልስ፡ ይድንግጸልካ ኸኣ፡ ካብቶም ናባታቶም ፋሕ ኣቢሉካ ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሊሱ ኺእክበካ እዩ።
4 እቶም ስጉጓትካ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ በጽሑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ ካብኡ ኺእክበካ፡ ካብኡውን ኬምጽኣካ እዩ።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ናብታ ኣቦታትካ ዝወረስዋ ምድሪ ኼእትወካ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ ክትወርሳ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ኼጸብቐልካ፡ ካብ ኣቦታትካ ድማ ኬብዝሓካ እዩ።
6 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ምእንቲ ኸተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ኪገዝር እዩ።
7 እዚ ዅሉ መርገም እዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጸላእትኻን ናብቶም ዚጸልኡኻን ዚሰጉኻን ኪገብሮ እዩ።
8 ንስኻ ድማ ተመሊስካ ንቓል እግዚኣብሄር ትሰምዖ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ኸኣ ትገብሮ።
9-10 ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ እንተ ሐሎኻ፡ ናብ እግዚብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሐጒስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ምግባር ኪሕጐስ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ኪመልኣካ እዩ።
11 እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባካ ዝረሐቐን ኣይኰነን እሞ፡
12 ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መን እዩ ከይትብል፧ ኣብ ሰማይ ኣይኰነን።
13 ባሕሪ ዚሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና እሞ መን እዩ፧ ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን።
14 እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ።
15 ርኤ፡ ሎሚ ህይወትን፡ ሞትን: ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ።
16 ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ።
17 ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከኣ እንተ ተስሐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡
18 ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትኣትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑን።
19 ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ።
20 ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን፡ ንያእቆብን፡ ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።

 

1 ሙሴ ኸይዱ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንብዘሎ እስራኤል ተዛረበ፡
2 በሎም ከኣ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ እሞ፡ ደጊም ክወጽእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ፡ ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ፡ በለኒ።
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ቐቅድሜኻ ኺሳገር እዩ እሞ፡ ንሱ ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኻ ኼጥፍኦም እዩ። ንስኻውን ክትወርሶም ኢካ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ እያሱ፡ ንሱ ቐቅድሜኻ ኺሳገር እዩ።
4 እግዚኣብሄር ነቶም ንሱ ዘጥፍኦም፡ ንሲሆንን ንኦግን፡ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንምድሮምን ከም ዝገበረ፡ ንኣታቶም ድማ ከምኡ ኺገብሮም እዩ።
5 እግዚኣብሄር ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ፡ ከምቲ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ትእዛዝ ከኣ ግበርዎም።
6 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽንዑ፡ ትብዑ፡ ኣይትፍርሁ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበሩ።
7 ሙሴ ድማ ንእያሱ ጸዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል በሎ፡ ንስኻ ምስ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፡ ንስኻ ድማ ከተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ ትባዕ ከኣ።
8 እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።
9 ሙሴ ድማ እዚ ሕጊ እዚ ጽሒፉ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት፡ ደቂ ሌዊን ንብዘለዉ ዓበይቲ እስራኤልን ሀቦም።
10 ሙሴ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት፡ በታ ምድብቲ ጊዜ ዓመት ሕድገት፡ ብበዓል ዳስ፡
11 ኣብታ ዝሐረያ ቦታ ብዘለዉ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኺርኣዮ ምስ መጹ፡ ሽዑ ኺሰምዕዎስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣንብቦ።
12-13 ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ንምግባሩን ኺጥንቀቑ፡ እቶም ዘይፈልጡ ደቆም ድማ ኪሰምዑን ኪመሀሩን፡ ኣብታ ኽትወርስዋ፡ ናብኣ ንዮርዳኖስ እትሳገሩ ዘሎኹም ምድሪ ብዅሉ ዘበን ህይወትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻን፡ ኣክቦም።
14 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ እንሃ፡ ንእያሱ ናባኻ ጸውዓዮ፡ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኸቡ፡ በሎ። ሙሴን እያሱን ድማ ከይዶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኽቡ።
15 እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ ድንኳን ብዓንዲ ደበና ተራእየ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ድንኳን ቈመ።
16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ እኔኻ፡ ምስ ኣቦታትካ ኽትድቅስ ኢኻ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኪትንስእ እዩ፡ ደድሕሪ እቶም ናይታ ኣብኣ ዚአትዋ ዘሎ ምድሪ፡ ጓኖት ኣማልኽቲ ኺምንዝር እዩ፡ ሓዲጉኒ ኸኣ ነቲ ምስኡ ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኬፍርሶ እዩ።
17 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ቊጥዓይ ኣብኦም ኪነድድ እዩ፡ ክሐድጎም ገጸይውን ክሐብኣሎም እየ፡ ኪውሐጡ ድማ እዮም፡ ብዙሕ ሕሱም ነገርን ጸበባን ኪረኽቦም እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣምላኽና ኣብ ማእከልና ስለ ዘየሎዶ ኣይኰነን እዚ ሕሱም ነገር እዚ ረኺቡና ዘሎ፧ ኪብሉ እዮም።
18 ስለ እቲ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላሶም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፉእ ከኣ፡ ኣነ በታ መዓልቲ እቲኣ ገጸይ ፈጺመ ኽሐብእ እየ።
19 ሕጂ ኸኣ እዚ መዝሙር እዚ ንኣኻትኩም ጽሐፉ፡ እሞ እዚ መዝሙር እዚ ምእንቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ምስክር ኪዀነኒ፡ ንደቂ እስራኤል ምሀሮም፡ ኣብ ኣፎም ድማ ኣንብሮ።
20 ብታ ነቦታቶም ዝመሐልኩሎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእቶኹዎም፡ እሞ በሊዖም ምስ ጸገቡን ምስ ሀጠሩን፡ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ይምለሱን የምልኽዎምን፡ ንኣይ ግና ይንዕቁኒ ኺዳነይ ድማ የፍርሱ።
21 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብዙሕ ሕሰም ነገርን ጸበባን ምስ ረኸቡ፡ እዚ መዝሙር እዚ ኻብ ኣፍ ዘርኦም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ንምስክር ይመልሰሎም። ናብታ ዝመሐልኩሎም ምድሪ ገና ኸየእቶኽዎም እኳ፡ እቲ ሎሚ ዚሐሰብዎ ሓሳቦም እፈልጥ ኣሎኹ።
22 ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዚ መዝሙር እዚ ጸሐፈ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ መሀሮም።
23 ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሐልኩሎም ምድሪ እተእትዎም እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ኢሉ ኣዘዞ።
24 ኰነ ድማ፡ ሙሴ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ምስ ወድኤ፡
25 ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ሌዋውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡
26 ነዚ መጽሓፍ እዚ ውሰዱ እሞ ኣብ ጎቦ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፡ ኣብኡ ዀይኑ ንምስክር ይኹንካ።
27 ኣነ ዕልወትካን ትሪ ኽሳድካን እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣነ ገና ብህይወት ምሳኻትኩም ከሎኹ እኳ፡ ንእግዚኣብሄር ዝዐሎኹምዎስ፡ ድሕሪ ሞተይ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ኺገድድ እዩ።
28 ሕጂ ኸኣ ዓበይቲ ነገዳትኩምን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ፡ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከኣ ከመስክረሎም እየ።
29 ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ንርእስኹም ከም እተባላሽዉ፡ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መገዲ ድማ ከም እተግልሱ፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ከተዀርይዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ ዝገበርኩም፡ ንዳሕራይ ዘበን ሕሱም ነገር ኪረኽበኩም እዩ።
30 ሙሴ ድማ ኣብ እዝኒ ዅላ ማሕበር እስራኤል፡ ቃላት እዚ መዝሙር ኽሳዕ ዚውዳእ ነገሮም።

1 ክዛረብ እየ እሞ፣ ሰማያት ጽን በሉ፣ ምድሪ ኸኣ ቃል ኣፈይ ትስማዕ።
2 ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፣ ዘረባይ ከኣ ከም ዛዕዛዓ ይውረድ። ከም ጥሚቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፣ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ።
3 ስም እግዚኣብሄር እነግር ኣሎኹ እሞ፣ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ።
4 ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፣ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፣ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፣ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።
5 ንሳቶም ተባላሸውዎ፣ ደቁ ኣይኰኑን፣ ነውራማት እዮም፣ ሓረመኛን ቄናንን ወለዶ ኣዮም።
6 ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፣ ንእግዚኣብሄር እዚዶ ትፈድይዎ፧ እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻስ ንሱዶ ኣይኰነን፧ ዝገበረካን ዘዳለወካን ንሱ እዩ።
7 እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር፣ ዓመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ፣ ነቦኻ ጠይቆ፣ ንሱ ኸኣ ኬግህደልካ እዩ፣ ዓበይትኻውን ኪነግሩኻ እዮም።
8 እቲ ልዑል ንህዝብታት ምስ ኣረስተዮም፣ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፣ ከም ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ዶባት ህዝብታት መደበ።
9 ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ እሞ፣ ያእቆብ ድማ ክፍሊ ርስቱ።
10 ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ ኣራዊት ዜድህዩሉይ፡ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን፡ ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ።
11 ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ፣ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፣ ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ።
12 እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ፣ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን።
13 ኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ፣ እቶት ግራሁ በልዔ፣ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፣ ካብ ተሪር ከውሒ ኸኣ ዘይቲ።
14 ጠስሚ ላምን ጸባ በጊዕን ምስ ስብሒ ገንሸልን ደዓውል ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፣ ካብ ደም ኣስካል ከኣ ወይኒ ሰቴኻ።
15 ይሹሩን ግና ሀጠረ እሞ ተናድሔ፣ ሰባሕካ፣ ረጐድካ፣ ከረሽካ። ሽዑ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ሐደጎ፣ ንኸውሒ ምድሓኑ ነዐቖ።
16 ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፣ ብጽያፍ ኣናደድዎ።
17 ኣምላኽ ንዘይኰኑ ኣጋንንቲ፣ ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፣ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፣ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ።
18 ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካ፣ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ።
19 ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘዀረይዎ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ርእዩ ደርበዮም።
20 በለ ድማ፣ ንሳቶም ሓረመኛ ወለዶ፣ እምነት ዜብሎም ደቂ እዮም እሞ፣ ገጸይ ክሓብኣሎም እየ፣ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።
21 ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኰነ ኣቕንኡኒ፣ ብኸንቱነቶም ኣዀረዩኒ። ኣነ ኸኣ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦም፣ ብዓሻ ህዝቢ ከዀርዮም እየ።
22 ብዅራይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፣ ክሳዕ ታሕታይ ሲኦል ይነድድ፣ ንምድሪ ምስ ፍሬኣ ይበልዓ፣ መሰረታት ኣኽራን ድማ የሕርር።
23 ክፉእ ኣብ ልዕሊኦም እእክብ፣ ፍላጻይ እውርውረሎም።
24 ብጥሜት ይምህምኑ፣ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ይብልዑ። ኣስናን ኣራዊት ምስ ሕንዚ ለመምታ ምድሪ ኽሰደሎም እየ።
25 ሴፍ ኣብ ወጻኢ፣ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሃት፣ ንጐበዝን ንቘንጆን ንዚጠቡ ምስ ሸያብ ኪውድኦም እዩ።
26 ምበልኩ፣ ፋሕ ከብሎም፣ መዘከርታኦም ካብ ማእከል ሰብ ክጥርስ።
27 ግናኸ ምቊንጻብ ጸላኢ ፈራህኩ፣ እቶም ወደረኛታቶም ተጋግዮም፣ ነዚ ዅሉ እታ ልዕልቲ ኢድና ደኣ እምበር፣ እግዚኣብሄር ኣይኰነን ዝገበሮ፣ ከይብሉ።
28 ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፣ ምስትውዓል ከኣ የብሎምን።
29 ነዚ ኼስተውዕልዎ፣ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ኪሓስቡስ፣ ለባማት ደኣ እንተ ዚዀኑ።
30 እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦም፣ እግዚኣብሄር ከኣ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፣ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደስ ንሽሕ ይሰጎም፧ ክልተስ ንዓሰርተ ሽሕ የህድምዎም፧
31 እቲ ኸውሖም ከም ከውሕና ኣይኰነን እሞ፣ ጸላእትና ድማ በዚ ፈረዲ እዮም።
32 ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፣ ካብ ግራት ጎሞራ ኸኣ እዩ እሞ፣ ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፣ ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ።
33 ወይኖም ሕንዚ ገበል ዝበርትዔ ሕንዚ መንደላይ ተመን ከኣ እዩ።
34 እዚ ኣባይ ተኣርኒቡ፣ ኣብ መዝገበይ ከኣ ተሐቲሙዶ ኣይኰነን፧
35 መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀረባ፣ እቲ እተዳለወሎም ከኣ ቀልጢፉ ኺመጽእ እዩ እሞ፣ በታ ኣእጋሮም ዚሰናኸለላ ጊዜ፣ ምፍዳይ ሕነን ምኽሓስን ናተይ እዩ።
36 ሓይሎም ከም እተወድኤ፣ እተዐጽወን እተሐድገን ከም ዜልቦ ድማ ምስ ረአየ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺብይን እዩ እሞ፣ ንባሮቱ ኸኣ ኪርሕርሓሎም እዩ።
37-38 ሽዑ ይብል፣ እቶም ኣማልኽቶም፣ እቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፣ እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፣ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከኣ ዝሰተዩ ኣበይ ኣለዉ፧ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፣ መጸግዒውን ይኹኑኹም።
39 ኣነ፣ ኣነ እየ ንሱ፣ ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ድማ፣ ሕጂ ርኣዩ። ኣነ እቐትል ህያው እገብር፣ ኣነ ኤቚስል ድማ፣ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን።
40 ኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ’ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ፣ እብል።
41 ነቲ ዜንበልብል ሴፈይ ምስ ሰሐልኩ፣ ኢደይውን ፍርዲ ምስ እትሕዝ፣ ንተጻረርተይ ክብቀሎም እየ፣ ንዚጸልኡኒውን ክፈድዮም እየ፣
42 ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን ንፍላጻታተይ ብደም ከስክሮ እየ። ሴፈይ ድማ ካብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ጸላኢ፣ ስጋ ኺውሕጥ እዩ።
43 ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፣ ንመጻርርቱ ሕነ ኺፈዲ፣ ንምድሩ፣ ንህዝቡ ኺዕረቕ እዩ እሞ፣ ኣቱም ህዝብታት፣ ምስ ህዝቡ ተሐጐሱ።
44 ሙሴ ድማ፣ ንሱ ምስ እያሱ ወዲ ነዌ፣ መጺኡ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ዅሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።
45 ሙሴ ኸኣ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛሪቡ ወድኤ፣
46 በሎም ድማ፣ እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ኹሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም፣ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።
47 እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እምበር፣ ከንቱ ነገር ኣይኰነን፣ ኣብታ ንስካትኩም ክትወርስዋ ንዮርዳኖስ እትሳገርዎ ዘሎኹም ምድሪ ድማ በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ።
48 እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፣
49 ናብዚ ኣብ መንጽር ያሪኮ፣ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፣ ናብ ከረን ኔቦ፣ ደይብ፣ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ርኣያ።
50 ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ ከረን ሁር ዝሞተ፣ ናብ ህዝቡ ኸኣ እተኣከበ፣ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ሙት፣ ናብ ህዝብኻውን ተኣከብ።
51 እዚ ኣብ ማይ መሪባ፣ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ሲን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ስለ ዝዓመጽኩምን፣ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከኣ ስለ ዘይቀደስኩምኒ እዩ።
52 ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲካ ትርእያ፣ ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ።

1 ሙሴ፣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፣ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ዝባረኾም በረኸት እዚ እዩ።
2 በለ ድማ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸ፣ ካብ ሰዒር ድማ ተላዕለሎም፣ ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐ፣ ካብ ኣእላፋት ቅዱሳን መጸ፣ ካብ የማናዩ ናይ ሕጊ ሓዊ ወጸሎም።
3 እወ፣ ንሱ ንህዝብታት የፍቅሮም፣ ኵሎም ቅዱሳኑ ኣብ ኢድካ እዮም፣ ኣብ እግርካ ይቕመጡ፣ ካብ ቃላትካ ድማ ይቕበሉ።
4 ሙሴ ኸኣ ሕጊ፣ ርስቲ ማሕበር ያእቆብ፣ ኣዘዘና።
5 ሓላቑ ህዝቢ፣ ነገዳት እስራኤል ዅሎም ብሓደ ምስ ተኣከቡ፣ ንሱ ኣብ ይሹሩን ንጉስ ነበረ።
6 ሮቤል ይንበር፣ ኣይሙት፣ ሰቡ ግና ሒደት ይኹኑ።
7 ንይሁዳ ኸኣ እዚ እዩ፣ በለ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ቃል ይሁዳ ስማዕ፣ ናብ ህዝቡ ከኣ ኣእትዎ፣ ኣእዳዉ ይጽንዓሉ፣ ካብ ተጻረርቱ ረዳኢ ኹኖ።
8 ብዛዕባ ሌዊ ድማ በለ፣ ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ሕያዎት ሰብካ እዮም፣ ነቶም ኣብ ማሳ ዝፈተንካዮም፣ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ እተኸራኸርካዮም፣
9 ብዛዕባ ኣቦኡን ኣዲኡን፣ ኣይርኤኽዎምን፣ ዝበለ፣ ነሕዋቱ ኣየለለዮምን፣ ንደቁ ኸኣ ኣይፈለጦምን። ቃልካ ሐልዮም እዮም እሞ፣ ኪዳንካ ኣጽንዑ።
10 ንያእቆብ ፍርድታትካ፣ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኺምህሩ፣ ዕጣን ናብ ኣፍንጫኻ፣ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲውን ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡ እዮም።
11 ዎ እግዚኣብሄር፣ ሓይሉ ባርኽ ግብሪ ኢዱ ኸኣ ተቐበል። መሊሶም ከይትንስኡስ፣ ሓቘቑ እቶም ዚጸልእዎ መጻርርቱ ስበር።
12 ብዛዕባ ብንያም በለ፣ ፍቁር እግዚኣብሄር ምስኡ ብህድኣት ኪነብር እዩ፣ ምሉእ መዓልቲ የጽልሎ፣ ኣብ መንጎ መንኩቡ ድማ ይሐድር።
13 ብዛዕባ ዮሴፍ ድማ በለ፣ ምድሩ ብእግዚኣብሄር እተባረኸት ትኹን፣ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፣ በቲ ኣብ ታሕቲ ንቡር ዘሎ መዓሙቚ፣
14 በቲ ኽቡር እቶት ጸሓይ፣ በቲ በዋርሕ ዚበቊል ክቡር ነገር ከኣ።
15 በቲ ናይ ጥንታውያን ኣኽራን ዝሔሸ ነገር፣ በቲ ናይ ዘለኣለም ኵርባታት ድማ ዝኸበረ ነገር፣
16 በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፣ በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፣ እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፣ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈለየ ይምጻእ።
17 ግርማ እቲ በዅሪ ኣርሓኡ ናቱ እዩ፣ ኣቕርንቱ ኣቕርንቲ ጎባይ እዩ፣ ብእኡ ገይሩ ንዅሎም ህዝብታት ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይወግኦም፣ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።
18 ብዛዕባ ዛብሎን ድማ በለ፣ ኣታ ዛብሎን፣ ብምውጻእካ ባህ ይበልካ። ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ።
19 ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑጻ እተሐብኡ መዝገብን ኪጠብዉ እዮም እሞ፣ ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዑ፣ ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኬቕርቡ እዮም።
20 ብዛዕባ ጋድ ድማ በለ፣ እቲ ንጋድ ዘግፍሔ ብሩኽ ይኹን። ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ይሰፍር፣ ቅልጽምን መንበስበስታን ይሰብር፣
21 ግደ ሓጋጊ ኣብኡ ተዐቚሩ ነበረ እሞ፣ እቲ ቐዳማይ ንርእሱ ሐረየ፣ ምስ ሓላቑ ህዝቢ መጸ፣ ምስ እስራኤል ኰይኑ ኸኣ ጽድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈጸመ።
22 ብዛዕባ ዳን ድማ በለ፣ ዳን ካብ ባሳን ዚዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ።
23 ብዛዕባ ንፍታሌምውን በለ፣ ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፣ ጽጉብ ጸጋ እዩ፣ ንስኻ ንምዕራብን ንደቡብን ውረስ።
24 ብዛዕባ ኣሴር ከኣ በለ፣ ኣሴር በወዳት ብሩኽ፣ በሕዋቱውን ፍትዊ ይኹን። ኣእጋሩ ኸኣ ኣብ ዘይቲ ይጥለቕ።
25 መሸጐሪኻ ሓጺንን ኣስራዝን፡ ሓይልኻ ድማ ከም መዓልትታትካ ይኹን።
26 ዎ ይሹሩን፣ ነቲ ንረድኤትካ ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን ኣብ ሰማያትን እተወጥሔ ኣምላኽ ዚመስሎ የልቦን።
27 እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ፣ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ ኣለዋ፣ ንጸላኢ ኻብ ቅድሜካ ሰጐጎ፣ ኣጥፍእ፣ ድማ በለ።
28 እስራኤል ብህድኣት ይነብር፣ እቲ በይኑ ዘሎ ዔላ ያእቆብ ኣብ ምድሪ ስርናይን ወይንን እዩ፣ ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።
29 ዎ እስራኤል፣ ብጹእ ኢኻ፣ ብእግዚኣብሄር ዝደሐነ ህዝቢ መን እዩ ኸማካ፧ ዋልታ ሓገዝካ፣ ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ። ጸላእትኻ ኺግዝኡ እዮም፣ ንስካ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግጽ ኢኻ፣

 

1 ሙሴ ድማ ካብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጲስጋ ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘላ ሃገር ጊልኣድ ክሳዕ ዳን ኣርኣዮ።
2 ብዘላ ንፍታሌምን ሃገር ኤፍሬምን ምናሴን፣ ብዘላ ምድሪ ይሁዳ ኸኣ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ፣
3 እቲ ደቡብ ድማ፣ እቲ ጐልጐል ለሰ ያሪኮ፣ ከተማ ተምሪ፣ ክሳዕ ጾኣር ኣርኣዮ።
4 እግዚኣብሄር ድማ፣ እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ ኢለ ዝመሐልኩሎም ምድሪ፣ እዚኣ እያ፣ ብዓይንኻ ኣርኤኹኻ፣ ናብኣ ግና ኣይትሳገርን፣ በሎ።
5 ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፣ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብኣ ሞተ።
6 ኣብ ምድሪ ሞኣብ፣ ኣብ መንጽር ቤት-ጴኦር ኣብ ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎም መዓልቲ ከኣ ንመቓብሩ ዚፈልጦ ሰብ የልቦን።
7 ሙሴ ኺመውት ከሎ፣ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፣ ኣዒንቱ ኣይሐመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ።
8 ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። እተን ንሙሴ ዝበኸዩለን መዓልታት ሓዘኖም ብእኡ ተወድኣ።
9 ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፣ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፣ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ከኣ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገይሮም ተአዘዝዎ።
10-12 በቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦን፣ ኣብ ገላዉኡን ኣብ ብዘላ ምድሩን ተእምርትን ተኣምራትን ኪገብር፣ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ። በቲ ዅሉ ናይ ሓያል ኢድን በቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ዝገበሮ ኹሉ ዓብዪ መፍርህ ነገርን ከምቲ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈለጦ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዪ፣ ድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ኣይተንስኤን።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...