ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ኢያሱ ወልደ ነዌ (Joshua)

ሙሴ ምስ ሞተ ኣምላኽ ንእያሱ ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ፈለግ ዮርዳኖስ ኪመርሖምን ነታ ምድሪ ተስፋ ኺቈጻጸራን ጸውዖ። ኣምላኽ ኣብቲ ውጥን ውግእ ዓወት ከም ዚረኽቡ ኣረጋገጸሎም እስራኤላውያን ንሕግታቱ ኸም ዚእዘዙ ገይሮም ብምሕሳብ ከቶ ኸም ዘይሓድጉ ድማ ተመባጽዐ። እቶም ህዝቢ ንእያሱ እሙናት ምዃኖም ተመባጽዑሉ ንሱ ድማ ነቲ ዞባ ንምፍላጥ ክልተ ሰለይቲ ሰደደ። እቶም ሰብኡት ናብ ያሪኮ ኣተዉ፣ ኣብኡ ኸኣ ረሃብ ዝስማ ኣመንዝር ኣብ ቤታ ሓብኣቶም፣ ብዛዕባ ህላወ እቶም ሰለይቲ ኸኣ ንኸንቲባ ሓሰወቶ። ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ከነኣናውያን ንእስራኤል ከም ዚፈርሁን ብተኣምራዊ መገዲ ኸም እተዓወቱን ነገረቶም። ኣብ ኣምላኽ እስራኤላውያን ከም እትኣምን ብግዴኣ እስራኤላውያን ናብ ያሪኮ ኽኣትዉ ኸለዉ ንስድራቤታ ኽትከላኸለሎም ለመነት ። እቶም ሰለይቲ ንረሃብ ኬድሕንዋን ናብ እያሱ ኺምለሱን ብዛዕባ ዝጸረየ ዅነታት ተጻራሪ እስራኤል ነገርዎ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እዚ ዅሉ ተፈጺሙ ነታ ምድሪ ተቘጻጸርዋ፣ ረሃብን ስድራ ቤታን ከኣ ብተኸታታሊ ዕቝባ ረኸቡ።

መጽሐፈ ኢያሱ ወልደ ነዌ (Joshua)

1 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣገልጋሊ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ሙሴ ባርያይ ሞተ፡ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ።
3 ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎ፡ ከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣሎኹ።
4 ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ኪኸውን እዩ።
5 ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን።
6 እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ።
7 ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ።
8 ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።
9 ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
10 ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡
11 ብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉ፡ ኢልኩም ኣዝዙ።
12 እያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
13 እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ኪህበኩም እዩ።
14-15 ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከኣ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኵላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድግፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዝሀበኩም ምድሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም።
16 ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዝአዘዝካና ዅሉ ንገብር፡ ናብ ዝለአኽካና ዘበለውን ንኸይድ።
17 ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ እተኣዘዝናዮ፡ ንኣኻ ኸኣ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን።
18 ዝዀነ ሰብ ንቓልካ ዚአብን ንዅሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙት። ሓንትስ ጽናዕ፡ ትባዕ ደኣ።

1 እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብ፡ ኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩ፡ ኢሉ ኺስልዮ ብሕቡእ ሰደዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሐደሩ።
2 ንንጉስ ያሪኮ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ኪስልይዋ፡ ብለይቲ ናብዚ ኣትዮም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።
3 ንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝአተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ኪስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም፡ ኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸ።
4 እታ ሰበይቲ ኸኣ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሐብኣቶም፡ በለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ አትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።
5 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም።
6 ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሐብኣቶም።
7 እቶም ሰባት ከኣ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዐቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ እቲ ደገ ተሸጐረ።
8 ንሳቶም ገና ኸይደቀሱ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት።
9 ነቶም ሰባት ከኣ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ዅሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸኣ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመከኹ ፈለጥኩ።
10 እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከምዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎ፡ ንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም፡ ሰሚዕና ኢና እሞ፡
11 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮ፡ ልብና መኸኸ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን።
12-13 ሕጂ ኸኣ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን፡ ዘለዎም ኵሉ ድማ ብህይወቶም ክትሐድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚኣብሄር ምሐሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከኣ ሀቡኒ።
14 እቶም ሰባት ከኣ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዘይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ነሕልፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሀበና፡ ምሕረትን እምነትን ንገብረልኪ፡ በልዋ።
15 ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መካበብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ትነብር ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም።
16 እቶም ደለይቲ ኸይረኽቡኹምሲ፡ ንኸረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሐብኡ፡ ድሓር ድማ መገድኹም ኪዱ፡ በለቶም።
17 እቶም ሰባት ከኣ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንነጽህ፡
18 እንሆ፡ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ከሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኰት አንጠልጥልዮ። ነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም።
19 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝዀነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለዉ ኢድ እንተ ተንከዮ ኸኣ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን።
20 ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ፡ ካብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና።
21 ንሳ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ።
22 ንሳቶም ከኣ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎም፡ ኣይረኸብዎምን ከኣ።
23 እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱ፡ ተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኣዛረብዎ።
24 ንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹ፡ በልዎ።

 

1 ንጽብሒቱ ኸኣ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ካብ ሽጢም ነቐሉ፡ ናብ ዮርዳኖስ ድማ መጹ፡ ገና ኸይተሳገሩ ኸኣ ኣብኡ ሐደሩ።
2 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም መኳንንቲ ብማእከል ሰፈር ሐለፉ፡
3-4 ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መገዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሐለፍኩምዋን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኹም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዚኣክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቕረብዎ።
5 እያሱ ነቶም ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ እሞ፡ ተቐደሱ፡ በሎም።
6 እያሱ ኸኣ ነቶም ካህናት፡ ታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱ።
7 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከዕብየካ ኽጅምር እየ።
8 ነቶም ታቦት ኪዳን ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ንስኻ፡ ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ መጻእኩም ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ፡ ኢልካ ኣዝዞም።
9 እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል፡ ናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ፡ በሎም።
10 እያሱ ድማ በለ፡ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ንኸነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሃዋውያንን ንፈሬዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈጺሙ ኸም ዚሰጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡
11 እንሆ፡ እቲ ናይ ጐይታ ዅላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሐልፍ።
12 ሕጂ ድማ ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ንኣኻትኩም ውሰዱ።
13 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ዅላ ምድሪ፡ ዚጾሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ማይ የቛርጽ፡ ሓደ ኺምራ ዀይኑ ደው ይብል።
14 ኰነ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳውንቶም ምስ ወጹ፡ እቶም ካህናት ቀቅድሚ ህዝቢ ታቦት ኪዳን ይጾሩ ነበሩ፡
15 እቶም ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ካህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ – ብዅሉ እቲ ጊዜ ዓጺድ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ –
16 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻርታ ዘላ፡ ኣዳም እትብሀል ከተማ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ቘመ። እቲ ናብ ባሕሪ ጐልጓል፡ ናብ ባሕሪ ጨው ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ፈጺሙ ኣቛረጸ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ።
17 እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሓለፈ።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2 ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡
3 ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቘማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ፡ ኢልኩም ከኣ ኣዝዝዎም።
4 ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳልዩዎም ዝነበረ ጸውዖም።
5 እያሱ ድማ በሎም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ፡ ብቚጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኩብኩምን ኣልዕሉ።
6 እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቕኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧ ኢሎም ምስ ዚጥይቑኹም፡
7 ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ብዮርዳኖስ ክሳገር ከሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ፡ እሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም።
8 ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ፡ ብቚጽሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዐሉ፡ ናብቲ ዝሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣንበርዎ።
9 እያሱ ድማ ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቘማላ ቦታ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣቘመ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብኣ ኣሎ።
10 እቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ንህዝቢ ኺነግር ዝአዘዞ ዅሉ ነገር፡ ከምቲ ሙሴ ንእያሱ ዝአዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ኻህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ደው በሉ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ቀልጢፎም ተሳገሩ።
11 ኰነ ድማ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ጠሪሱ ምስ ተሳገረ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ምስቶም ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገረ።
12 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ኣጽዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።
13 ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ኣጽዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኺዋግኡ ተሳገሩ፡
14 በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣዕበዮ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ዚፈርህዎ ዝነበሩ፡ ንእኡ ኸኣ ፈርህዎ።
15-16 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ነቶም ታቦት ምስክር ዚጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞም፡ ኢሉ ተዛረቦ።
17 እያሱ ድማ ነቶም ኻህናት፡ ካብ ዮርዳኖስ ደይቡ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
18 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ደይቦም፡ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑጽ ምስ ረገጸ፡ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገምገሙ ወሐዘ።
19 እቶም ህዝቢ ድማ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ ኻብ ዮርዳኖስ ደየቡ፡ ብወሰን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጊልጋል ከኣ ሰፈሩ።
20 እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ ዓሰርተው ክልተ እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቘሞ።
21-24 ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ክትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነኣናውያንን፡ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ እንሳገሮ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም መኸኸ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ትንፋስ ኣይተረፈቶምን።
2 በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ፡ በሊሕ ጽልጽለ ጌርካ፡ ከም ብሓድሽ ንደቂ እስራኤል ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም፡ በሎ።
3 እያሱ ድማ በሊሕ ጽልጽለ ኣንጺሉ፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ኵርባ ዓራሎት ገዘሮም።
4 እቲ እያሱ ዝገዘሮም ምኽንያቱ እዚ እዩ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ፡ ተባዕትዮ ዘበሉ ዅሎም ተዋጋእቲ ኻብ ግብጺ ወጺኦምሲ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞቱ።
5 እቶም ዝወጹ ህዝብስ ኵሎም ግዙራት ነይሮም፡ እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ እተወልዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገዝሩን ነበሩ።
6 ደቂ እስራኤል፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ፡ እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተዋጋእቲ ሰብኡት፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ክሳዕ ዚወድኡ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጓዕዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ንኣና ኺህበና ነቦታቶም ዝመሐለሎም ምድሪ፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ከየርእዮም መሐለ።
7 ነቶም ኣብ ክንዳኦም ዘተንስኦም ደቆም ከኣ፡ ኣብ መገዲ ስለ ዘይተገዝሩ፡ ዕልቦታት ነበሩ እሞ፡ እያሱ ገዘሮም።
8 ኰነ ኸኣ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ገዚሮም ምስ ፈጸሙ፡ ክሳዕ ዚሐውዩ፡ ኣብቲ ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ሰፈር ተቐመጡ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ሎሚ ነቲ ናይ ግብጺ ነውሪ ኻባካትኩም ኣንካራሮኽዎ፡ በሎ። ስም እታ ቦታ ኸኣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጊልጋል ይብሀል ኣሎ።
10 ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ፋስጋ ገበሩ።
11 ጽባሕ ፋስጋ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ እኽሊ እታ ምድሪ፡ ቅጫን ቆሎ ስርናይን በልዑ።
12 እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፡ ንጽብሒቱ እቲ ማና ኣቋረጸ፡ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ኸነኣን በልዑ እምበር፡ ድሕሪኡስ ማና ኣይነበሮምን።
13 ኰነ ኸኣ፡ እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ፡ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ ረአየ፡ እንሆ ድማ፡ እተመልሔ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። እያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ፡ ንስኻ ናትናዶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ፧ በሎ።
14 ንሱ ድማ፡ ኣይፋለይ፡ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ፡ ሕጂ መጺኤ ኣሎኹ፡ በለ። እያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ፡ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ፧ በለ።
15 እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በሎ። እያሱ ከኣ ከምኡ ገበረ።

1 ያሪኮ ድማ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል ተዐጽያን ተሸጒራን ነበረት። ዚወጽእ ኰነ፡ ዚአቱ ዀነ ኣይነበረን።
2 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ርኤ፡ ያሪኮን ንጉሳን እቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ።
3 ኵልኹም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ኸቢብኩም ሓንሳእ ዙርዋ። ሹድሽተ መዓልቲ ከምኡ ግበሩ።
4 ሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት ኰይኖም ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።
5 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፡ እቲ ደሃይ መለኸት ድማ ምስ ሰማዕኩም፡ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድር። መካበብያ እታ ኽተማ ከኣ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ኺድይብ እዩ።
6 ሽዑ እያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ጸዊዑ፡ ታቦት ኪዳን ውሰዱ፡ ሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ፡ በሎም።
7 ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፡ ሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ፡ በሎም።
8 ኰነ ኸኣ እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ሾብዓተ ኻህናት ድማ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ እግዚኣብሄር ሐለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከኣ ደድሕሪኦም ይኸይድ ነበረ፡።
9 እቲ እተሰለፈ ዘበለ ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዚነፍሑ ኻህናት ይኸይድ ነበረ፡ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።
10 እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ጫውጫው ኣይትበሉ፡ ድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑ፡ ገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑ፡ ዝብለኩም መዓልቲ፡ ሽዑ ኣውክዑ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
11 ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓንሳእ ኣዞሮ፡ ናብ ሰፈር ኣትዮም ከኣ ኣብቲ ሰፈር ሐደሩ።
12 ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ እቶም ካህናት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ጾርዎ።
13 እቶም ሾብዓተ ኻህናትውን ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚኦም ከደ። እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕብ ነበረ።
14 በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱ። ሹድሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።
15 ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ብወጋሕታ ተንሲኦም፡ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፡ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ።
16 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካህናት በቲ ሳብዓይ ሳዕ መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ኣውክዑ።
17 እዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹን። ረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ።
18 ሓንትስ ንስኻትኩም ከኣ ምስ ሐረምኩምዎ፡ ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ርጉም ከይትገብርዎ፡ መከራውን ከይተምጽኡሉስ፡ ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ።
19 ብዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ኣስራዝን ሓጺንን ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን እሞ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ይእቶ።
20 ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ።
21 ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዘበለ ኸኣ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ክሳዕ ኣረጊት፡ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእዎም።
22 እያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሐልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ዅሉን ካብኣ ኣውጽኡ፡ በሎም።
23 እቶም ኣጕባዝ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኣትዮም ንረሃብን ንቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ዅሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል አቐመጥዎም።
24 ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ሓጺንን ጥራይ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ገበሩ።
25 ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ እያሱ ንእኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደገ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ማእከል እስራኤል ትነብር ኣላ፡
26 በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፡ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበዅሪ ወዱ ይሰርታ፡ ደጌታታ ድማ በቲ ዝነኣሰ ወዱ የቑም።
27 እግዚኣብሄር ምስ እያሱ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሔ።

1 ደቂ እስራኤል ግና ኣብቲ ሕሩም ነገር ኣበሳ ኣበሱ። ካብ ነገድ ይሁዳ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብቲ እተሐርመ ወሰደ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ።
2 እያሱ ድማ ካብ ያሪኮ ናብታ ብምብራቕ ቤት-ኤል ኣብ ጥቓ ቤት-ኣዌን ዘላ ዓይ ሰባት ሰደደ፡ ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰባት ከኣ ደይቦም ንዓይ ሰለይዋ።
3 ናብ እያሱ ተመሊሶም ድማ፡ ኵሉ ህዝቢ ኣይደይብ፡ ሒደት እዮም እሞ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ናብኣ ኣይተድክሞ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዚአክል ሰብ ደኣ ይደይብ፡ ንዓይ ከኣ ይውቅዕዋ፡ በልዎ።
4 ካብቲ ህዝቢ ድማ ሰለስተ ሽሕ ዚአክል ሰብ ናብኡ ደየበ። ግናኸ ካብ ቅድሚ እቶም ሰብ ዓይ ሀደሙ።
5 እቶም ሰብ ዓይ ካብኦም ኣስታት ሰላሳን ሹድሽተን ሰብ ቀተሉ፡ ካብ ደገ ኽሳዕ ሰባሪም ሰጐጕዎም፡ ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ሽዑ ልቢ እቲ ህዝቢ መኸኸ፡ ከም ማይ ከኣ ዀነ።
6 እያሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስኒሶም፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።
7 እያሱ ድማ በለ፡ ዎ ጐይታይ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ሂብካ ኸተጥፍኣናስ፡ ስለምንታይ ደኣ ነዚ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ዘሳገርካዮ፧ እየ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እንተ ንቕመጥ፡ ግዳ ምፈቶና።
8 ወይለይ ጐይታይ፡ እስራኤል ዝባኑ ናብ ገጽ ጸላእቱ ኻብ መለሰ፡ እንታይ ክብል እየ፧
9 ከነኣናውያንን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎምን፡ ኪሰምዑ እዮም እሞ ኪኸቡና፡ ስምና ድማ ካብ ምድሪ ኼጽንቱ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧
10 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ተንስእ፡ ስለምንታይ ከምዚ ብገጽካ ትድፋእ፧
11 እስራኤል ሓጢኣት ገበረ፡ እቲ ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ከኣ ኣፍረሱ፡ ካብቲ ሕሩም ወሰዱ ሰረቑ ኸኣ፡ ሐሰዉ ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣቕሓኦምውን ኣንበርዎ።
12 ስለዚ ደቂ እስራኤል ተሐሪሞም እዮም እሞ፡ ዝባኖም ናብ ገጽ ጸላእቶም ይመልሱ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቘሙ ኣይክእሉን። ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም እንተ ዘየጥፋእኩም። ኣነ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይከውንን እየ፡
13 ተንስእ እሞ፡ ነቶም ህዝቢ ቀድሶም፡ በሎምውን፡ ንጽባሕ ተቐደሱ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ሕርሚ ኣብ ማእከልካ ኣሎ፡ ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።
14 ጽባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ነገድ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ዓሌት ድማ፡ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ማይ ቤት ከኣ፡ በብሰብኣይ ይቕረብ።
15 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ሕርሚ እተረኽቦ፡ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ ኣብ እስራኤል ከኣ ነውሪ ገይሩ እዩ እሞ፡ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይንደድ።
16 እያሱ ከኣ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንእስራኤል ድማ በብነገዱ ኣቕሪቦ እሞ ነገድ ይሁዳ ተወስደ።
17 ንዓሌታት ይሁዳ ኸኣ ኣቕረቦም እሞ ዓሌት ዜራሓውያን ወሰደ። ንዓሌት ዜራሓውያን ድማ በብማይ ቤቶም ኣቕረቦም እሞ ዛብዲ ተወስደ።
18 ንማይ ቤቱ ኸኣ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ተወስደ፡
19 ኢያሱ ድማ ንኣካን፡ ወደይ፡ በጃካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ ተናዘዘሉውን፡ እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ፡ ኣይትሕብኣለይ፡ በሎ።
20 ኣካን ድማ ንእያሱ መሊሱ በሎ፡ ሓቂ እዩ፡ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ፡ ከምዝን ከምዝን ገበርኩ፡
21 ኣብቲ እተዘምተ ሓደ ጽቡቕ ባርኖስ ሰንኣርን ክልተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓምሳ ሲቃል ዝሚዛኑ ልሳን ወርቅን ምስ ርኤኹ፡ ሽዑ ተመኔክዎ እሞ ወሰድክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል ድንኳነይ ኣብ ምድሪ፡ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ፡ ተሐቢኡ ኣሎ።
22 ሽዑ እያሱ ልኡኻት ሰደደ፡ ናብቲ ድንኳን ከኣ ጐየዩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ድንኳኑ ተሐቢኡ፡ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ።
23 ካብ ማእከል እቲ ድንኳን ወሲዶም፡ ናብ እያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምጺኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ።
24 ሽዑ እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ንኣካን ወዲ ዜራሕን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን ነወዳቱን ኣዋልዱን ኣብዑሩን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ወሲዶም፡ ናብ ጋግ ዓኰር ኣደየብዎ።
25 እያሱ ድማ፡ ስለምንታይ ኣሸገርካና፧ በለ። ኵሉ እስራኤል ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፡ ብዳርባ እምኒ ቐቲሎም ከኣ ብሓዊ ኣንደድዎም።
26 ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ረስኒ ዅራኡ ተመልሰ። ስለዚ ኸኣ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ጋግ ዓኰር ይበሀል ኣሎ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር። ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ውሰድ፡ ተንስእ እሞ ናብ ዓይ ደይብ። ርኤ፡ ኣነ ንንጉስ ዓይን ንህዝቡን ከተማኡን ሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ።
2 ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮ፡ ንዓይን ንንጉሳን ድማ ክትገብር ኢኻ፡ ጥራይ ምርኮኣን ከብታን ንኣኻትኩም ማርኹ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ድብቕ ግበር፡ በሎ።
3 እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ናብ ዓይ ኪድይብ ተንስኤ። እያሱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሐርዩ ብለይቲ ሰዶዶም።
4 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ርአዩ፡ ነታ ኸተማ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ፡ ደብቑላ፡ ካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትርሐቑ። ኵልኹም ከኣ እተዳሎኹም ኩኑ።
5 ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፡ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪቐባበሉና ምስ ወጹ፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና።
6 ሽዑ፡ ከምቲ ቐዳማይ ካብ ቅድሜና ይሀድሙ ኣለዉ፡ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ወጺኦም ኪስዕቡናስ፡ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እንስሕቦም፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና።
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንእኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም፡ ድማ ካብቲ እተደበቕኩምሉ ተንሲእኩም፡ ነታ ኸተማ ሓዝዋ።
8 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነታ ኸተማ ምስ ሐዝኩምዋ፡ ብሓዊ ተኵስዋ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ግበሩ፡ እንሆ፡ ኣዚዘኩም ኣሎኹ።
9 እያሱ ድማ ሰደዶም፡ ናብቲ ዚድበቑሉ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን፡ ከይዶም ከኣ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዓይ ተቐመጡ። እያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሐደረ።
10 ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቘጺሩ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ዓይ ደየበ።
11 እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ድማ ደየበ፡ ቀሪቦም ከኣ ናብ መንጽር እታ ኸተማ መጺኦም፡ በብሴሜን ዓይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዓይን ከኣ ለሰ ነበረ።
12 ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ድብቕ ኣንበሮም።
13 ንብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ድቡቓቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፡ እያሱ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ለሰ ኸደ።
14 ኰነ ኸኣ፡ ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረአየ፡ ሰብ እታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣንጊሆም ተንስኡ እሞ፡ ንሱን ህዝቡን፡ ብጊዜኡ ንእስራኤል ንውግእ ኪቃባበልዎም፡ ናብ ቅድሚ እቲ ጐልጐል ወጹ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ ደቢቖምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይፈለጠን ነበረ።
15 እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም እተሳዕሩ፡ ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ።
16 ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፡ ኪሰጕዎም ብኣውያት ተአከቡ፡ ንእያሱ ድማ ሰጐጕዎ፡ ካብታ ኸተማ ኸኣ ተሳሕቡ።
17 ኣብ ዓይን ኣብ ቤት-ኤልን ደድሕሪ እስራኤልን ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሐዲጎምዋ፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዐቡ።
18 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንዓይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዅናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ፡ በሎ። እያሱ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዅናት ናብ ከተማ ኣቢሉ ዘርግሖ።
19 እቶም ተደቢቖም ዝነበሩ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ ዘርግሓ፡ ቀልጢፎም ካብ ስፍራኦም ተንስኡ እሞ ጐይዮም ናብታ ኸተማ ኣተዉ ሐዝዋ ኸኣ፡ ቀልጢፎም ድማ ብሓዊ ተኰስዋ።
20 እቶም ሰብ ዓይ ንድሕሪኦም ግልጽ እንተ በሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ትኪ እታ ኸተማ ንሰማይ ኪድይብ ረአዩ፡ ሽዑ ናብዚ ዀነ ናብቲ ኺሀድሙ ኽእለት ኣይነበሮምን፡ እቶም ንበረኻ ኣቢሎም ዝሀደሙ ህዝቢ ከኣ ናብቶም ሰጐጕቶም ኣቢሎም ተመልሱ።
21 እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን፡ እቶም ድቡቓት ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፡ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝደየበ ምስ ረአዩ፡ ተመልሱ እሞ፡ ንሰብ ዓይ ቀተልዎም።
22 እቲኣቶም ከኣ ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ። ሽዑ እዚኣቶም በዚ፡ እቲኣቶም ከኣ በቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤል ኰኑ። ንሳቶም ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፉን ከየምለቑን፡ ቀተልዎም።
23 ንንጉስ ዓይ ከኣ ብህይወቱ ኸሎ ሒዞም፡ ናብ እያሱ ኣምጽእዎ።
24 ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ነቶም ኵሎም ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጕዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ኣብ በረኻ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚወድኡ ኸኣ ኵሎም ብስሕለት ሴፍ ምስ ወደቑ፡ ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዓይ ተመልሱ እሞ፡ ንእኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ።
25 እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዘወደቑ ዅሎም፡ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን ኵሎም ሰብ ዓይ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ኰኑ።
26 እያሱ ድማ፡ ንብዘለዉ ሰብ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡ ነታ ዅናት ዝዘርሔት ኢዱ ኣይመለሳን።
27 እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞ፡ ከብትን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ጥራይ ማሪኾም ወሰዱ።
28 እያሱ ኸኣ ንዓይ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ዑና ዅምራ ዘለኣለም ገበራ፡
29 ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ፡ እያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ኬውርድዎ ኣዘዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ።
30 ሽዑ እያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባል መሰውኢ ሰርሓሉ።
31 ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ተጽሒፉ ዘሎ፡ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፡ ሓጺን ዘይተንከዮ ኣእማን፡ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉ። መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ።
32 እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝጸሐፎ ሕጊ፡ ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣብቲ ኣእማን ጸሐፎ።
33 ድማ ኵሉ እስራኤልን ዓብይቱን መኳንንቱን ፈረዱን፡ ጓና ከም ወዲ ዓዲ፡ ንታቦት በዝን በትን ኣብ መንጽር እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ካህናት፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ኪባረኹ ቕድም ዝአዘዞም፡ ፍርቆም ብሸነኽ ከረን ጌሪዚም፡ ፍርቆም ከኣ ብሸነኽ ከረን ዔባል ቈሙ።
34 ድሕርዚ ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣንበቦ፡
35 ካብቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ እያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸኑ ጓኖትን ዘይንበቦ ቓል ኣይነበረን።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ከረንን ቈላን ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብሸነኽ ሊባኖስ ዚነብሩ ዅሎም ነገስታት፡ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነአናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን እዚ ምስ ሰምዑ፡
2 ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ኪዋግኡ ብሓደ ዀይኖም ተአኪቦም ተሰማምዑ።
3 ሰብ ጊብዖን ከኣ እያሱ እቲ ኣብ ያሪኮን ኣብ ዓይን ዝገበሮ ምስ ስምዑ፡
4 ንሳቶም ድማ ተንኰል ገበሩ፡ ከም ልኡኻት መሲሎም፡ ኣረገውቲ ዓያብትን ቅዱድን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ድማ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም፡
5 ኣረጊት እተለገበ ኣሳእን ከኣ ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፡ ብላይ ክዳውንቲውን ተከዲኖም ከዱ። ኵሉ እንጌራ ስንቆም ድማ ዝነቐጸን እተረፋረፈን ነበረ።
6 ናብ እያሱ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ከይዶም ከኣ፡ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና፡ ሕጂ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ፡ በልዎም፡
7 ሰብ እስራራኤል ከኣ ንሃዋውያን፡ ምናልባሽ ኣብ ማእከልና ትነብሩ ኸይትዀኑ፡ ከመይ ጌርና ምሳካትኩም ኪዳን ክንአቱ፧ በልዎም።
8 ንእያሱ ኸኣ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ በልዎ። እያሱ ድማ፡ እንታዎት ኢኹም፧ ካበይከ መጺእኩም፧ በሎም።
9 ንሳቶም ከኣ በልዎ፡ ወሪኡን እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና እሞ፡ ገላዉኻ ምእንቲ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና።
10 እቲ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦንን፡ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና።
11 እቶም ዓበይትናን ኣብ ሃገርና ዚነብሩ ዅሎምን ከምዚ ኢሎም ተዛረቡና፡ ስንቂ ንመገዲ ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ ክትቀባበልዎም ድማ ኪዱ። ንሕና ገላውኹም ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ኪዳን እተዉልና፡ በልዎም።
12 እዚ እንጌራና በታ ናባኻትኩም ክንከይድ ዝወጻእናላ መዓልቲ ኻብ ኣባይትና ብውዑዩ ዝሰነቕናዮ፡ ሕጂ ግና እንሆ፡ ነቒጹን ተረፋሪፉን እዩ።
13 እዚ ኣሕርብቲ ወይኒ ኸኣ ብሓደስቱ ዝመላእናዮ፡ እንሆ ተቐዲዱ፡ እዚ ኽዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ካብ ምንዋሕ መገዲ በልዩ።
14 ሽዑ እቶም ሰባት ካብቲ ስንቆም ወሰዱ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይጠየቑን።
15 እያሱ ድማ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡ ብህይወቶም ኪሐድጎም ከኣ ኪዳን አተወሎም። ሹማምቲ እቲ ኣኼባውን መሐሉሎም።
16 ኰነ ኸኣ፡ ምሳታቶም ኪዳን ምስ አተዉ፡ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጐረቤቶም ምዃኖም፡ ኣብ ማእከሎም እኳ ደአ ከም ዚነብሩ ሰምዑ።
17 ደቂ እስራኤል ከኣ ነቒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ከተማታቶም መጹ። እተን ከተማታቶም ከኣ ጊብዖንን ከፊራን ብኤሮትን ቂርያት-የዓሪምን እየን።
18 ግናኸ ደቂ እስራኤል፡ እቶም ሹማምቲ ኣኼባ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎሙሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀተልዎምን። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ከኣ ኣብቶም ሹማምቲ ኣጕረምረመ።
19 እቶም ሹማምቲ ዅሎም ድማ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ንህና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ክንትንክዮም ኣይንኽእልን።
20 ብዛዕባ ኣቲ ዝመሐልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ፡ ከምዚ ግዳ ንግበሮም፡ ብህይወት ንሕደጎም፡ በልዎ።
21 እቶም ሹማምቲ፡ ብህይወት ይንበሩ፡ በልዎም። ግናኸ፡ ከምቲ ሹማምቲ ዝበልዎም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ኰኑ።
22 እያሱ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ኣብ ማእከልና ኽነስኹምሲ፡ ንሕና ኻባኹም ኣዚና ርሑቓት ኢና፡ ብምባልኩም ስለምንታይ ጠበርኩምና፧
23 ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፡ ባርነት ከኣ ካባኻትኩም ኣይለቅቕን፡ ንቤት ኣምላኸይ ቈረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ክትኰኑ ኢኹም፡ ኢሉ ተዛረቦም።
24 ንሳቶም ድማ ንእያሱ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ብዘላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኺህበኩም፡ ኣብዛ ሃገር ንዚነብሩ ዅሎም ከኣ ካብ ቅድሜኹም ኬጥፍኦም ከም ዝአዘዞ፡ ንእና ባሮትካ ርግጽ ተነጊሩ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና ኣዚና ፈሪህና፡ እዚ ነገር እዚ ገበርና።
25 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣብ ኢድካ ኢና፡ ንኣና ኽትገብሮ ጽቡቕን ቅኑዕን መሲሉ እተራእየካ ግበር፡ ኢሎም መለሱሉ።
26 ከምኡ ኸኣ ገበሮም፡ ካብ ኢድ ደቂ እስራኤል ድማ ኣናገፎም፡ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን።
27 እያሱ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ገበሮም።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ኣዶኒ-ጼዴቅ ንጉስ የሩሳሌም፡ እያሱ ንዓይ ከም ዝሐዛን ፈጺሙ ከም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፡ ከምኡ ድማ ንዓይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ፡ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩውን ምስ እስራኤል ከም እተዐርቁን፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ከም ዚነብሩን ምስ ሰምዔ፡
2 ጊብዖንሲ ኸም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ኤረ ኻብ ዓይ እኳ ትዐቢ ነበረት፡ ኵሎም ሰባትውን ጀጋኑ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዮም ፈርሁ፡
3 ስለዚ ኣዶኒ-ጼደቅ ንጉስ የሩሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን ልኢኹ፡
4 ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዐሪቓ እያ እሞ፡ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሐግዙኒ፡ በሎም።
5 ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንጉስ የሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ተአኪቦም ደየቡ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ድማ ሰፈሩ፡ ተዋግእዋ ኸኣ።
6 ሰብ ጊብዖን ድማ ናብ እያሱ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ልኢኾም፡ እቶም ኣብ ከረን ዚነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ናባና ተአኪቦም እዮም እሞ፡ ኢድካ ኻብ ባሮትካ ኣይድከም፡ ቀልጢፍካ ናባና ደይብ፡ ኣድሕነናን ርድኣናን፡ በልዎ፡
7 ሽዑ እያሱ፡ ንሱን ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝብን፡ ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኻብ ጊልጋል ደየቡ።
8 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቐውምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ በሎ።
9 እያሱ ከኣ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ገስጊሱ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም።
10 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፡ ኣብ ጊብዖን ከኣ ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፡ ብመገዲ ዓቐበት ቤት-ሖሮን ሰጐጎም፡ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከኣ ወቕዖም።
11 ኰነ ኸኣ፡ ካብ እስራኤል ሀዲሞም፡ ኣብቲ መውረዲ ቤት-ሖሮን ከለዉ ኽሳዕ ዓዜቃ ዚበጽሑ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ኣእማን ኣውደቐሎም፡ ሞቱ ኸኣ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ዝቐተልዎም፡ እቶም በእማን በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።
12 ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሀበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን።
13 ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጻላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻርዶኸ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቘመት፡ ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን።
14 እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።
15 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሰ።
16 እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሀዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሐብኡ።
17 ንእያሱ ኸኣ፡ እቶም ሓሙሽተ ነገስታትሲ ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሐቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።
18 እያሱ ድማ በለ፡ ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉ፡ ዚሕልውዎም ሰብ ከኣ ግበሩ።
19 ንስኻትኩም ግና ደው ኣይትበሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጸላእትኹም ናብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስጐጕዎም። ነቶም ዳሕሮቶም ከኣ ቅተልዎም፡ ናብ ከተማታቶም ኪአትዉ ኣይትሕደግዎም።
20 ኰነ ኸኣ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ኣዝዩ ዓብዪ ስዕረት፡ ክሳዕ ዚውድኡ ፈጺሞም ምስ ሰዐርዎም፡ እቶም ካባታቶም መሊቖም ዝሀደሙ ድማ ናብተን እተዐርዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፡
21 ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ ኣንብ ሰፈር ኣብ ማቄዳ ብሰላም ተመልሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤልስ መልሓሱ ዘዋሳወሰሉ ሓደ እኳ ኣይነበረ።
22 ሽዑ እያሱ፡ ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎም፡ በለ።
23 ከምኡ ድማ ገበሩ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፡ ንጉስ የሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም።
24 ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ እያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ጸውዖም፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ሓላቑ እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩ፡ በሎም። ቀረቡ እሞ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ፡
25 እያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ነቶም እተዋግዎም ኵሎም ጸላእትኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ጽንዑን ትብዑን፡ በሎም።
26 ድሕርዚ እያሱ ወቒዑ ቐተሎም፡ ኣብ ሓሙሽተ ኦም ሰቐሎም፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ወዐሉ።
27 ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምዕራብ ጸሓይ እያሱ ኣዘዞም፡ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ኣብቲ ተሐቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ኣብቲ ኣፍ በዓቲ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ።
28 እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፡ ንእኣን ንንጉሳን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዔ፡ ንኣታቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝግበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ ድማ ከምኡ ገበሮ።
29 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሐለፈ፡ ንሊብና ኸኣ ተዋግኣ።
30 እግዚኣብሄር ድማ ንእኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀበ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን፡ ኣብኣ ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ንንጉሳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበረ።
31 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ ሐለፈ እሞ ኣብ መንጽራ ሰፊሩ ተዋግኣ።
32 እግዚኣብሄር ንላኪሽውን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀባ፡ ብኻልአይቲ መዓልቲ ሓዛ፡ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበራ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ።
33 ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሽ ኪረድኣ ደየበ፡ እያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ቀተለ።
34 እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ላኪሽ ናብ ዔግሎን ሐለፈ፡ ኣብ መንጽራ ሰፈሮም ከኣ ተዋግእዋ።
35 በታ መዓልቲ እቲኣ ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍውን ወቕዕዋ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት፡ ከምቲ ዅሉ ንላኪሽ ዝገበራ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም።
36 እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን ደየበ፡ ተዋግእዋ ከኣ።
37 ሐዝዋ ድማ፡ ንእእን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ዔግሎን ዝገበሮ፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ፈጺሙ ኣጥፍኦም።
38 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ናብ ደቢር ተመልሰ፡ ተዋግኣ ኸኣ።
39 ንእኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሐዘ፡ ብስሕለት ሴፍውን ቀተልዎም፡ ኣብኣ ንዘለዉ ንዅሎም ነፍሳት ድማ ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ከኣ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ንጉሳን ከኣ ከምኡ ገበረ።
40 በዚ ኸምዚ እያሱ ንዅላ እታ ምድሪ ኸረንን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ኵሎም ነገስታቶምን ቀተሎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝአዘዞ፡ ትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈጺሙ ኣጥፍኤ።
41 ከምኡ ድማ እያሱ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኽሳዕ ጋዛ፡ ንዅላ ሃገር ጎሼን ከኣ ክሳዕ ጊብዖን ወቕዖም።
42 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡ እያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሐዘ።
43 ድሕርዚ እያሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሱ።

1 ኰነ ኸኣ፡ ያቢን ንጉስ ሓጾር እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፡
2 ናብቶም ብሰሜን ኣብ ኣኽራንን ኣብ ጐልጐልን ብደቡብ ኪነሮት ድማ ኣብ ቈላን ኣብ ምዕራብን በረኽቲ ዶር ናብ ዝነበሩ ነገስታት፡
3 ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያን፡ ናብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን፡ ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሃዋውያንን ለኣኸ።
4 ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ምሳታቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ፈረስን ሰረላን ወጹ።
5 እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ከኣ ተኣከቡ፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ መጺኦም ድማ፡ ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ።
6 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ፡ ኣነ ንዅሎም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብእኦም ኣይትፍራህ፡ ኣፍራሶም ክትቅንጅብ፡ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኸተንድድ ኢኻ፡ በሎ።
7 እያሱ፡ ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ኸኣ ምስኡ፡ ኣብ ማይ ሜሮም መጺኡ፡ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም።
8 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሀቦም፡ እሞ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን፡ ክሳዕ ሚስረፎት-ማይም ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ሚጺጳ ሰጐጕዎም። ሓደ እኳ ከየትረፉሎም ቀተልዎም።
9 እያሱ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፡ ኣፍራሶም ቀንጀበ፡ ሰረገላታቶምዉን ብሓዊ ኣንደደ።
10 ሓጾር ድማ ነዘን ኵለን መንግስትታት እዚ ኣተን ቀደም ርእሲ ኸተማኤን ነበረት እሞ፡ እያሱ በታ ጊዜ እቲኣ፡ ተመሊሱ ንሓጾር ሓዛ፡ ንንጉሳ ኸኣ ሰየፎ።
11 ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንሓጾርውን ብሓዊ ኣንደዳ።
12 እያሱ ድማ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታትንን ሐዘ። ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸኣ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዑ ፈጺሙ ኣጥፍኦም።
13 ብጀካ እታ እያሱ ዘንደዳ ሓጾር ጥራይ፡ እስራኤል ነተን ኣብ ኵርባታት ዘለዋ ኸተማታት ኣየንደደን።
14 ኵሉ ምርኮ እተን ከተማታት እዚኤንን ማልን ደቂ እስራኤልን ንርእሶም ማረኽዎ። ንዅሉ ሰብ ግና ክሳዕ ዜጥፍእዎም ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን።
15 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ባርያኡ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞ፡ እያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣይሐደገን።
16 እያሱ ኸኣ ንብዘላ እታ ሃገር፡ ምድሪ ኣኽራንን ኵሉ ደቡብን ብዘላ ምድሪ ጐሼንን ቈላን ጐልጐልን ኣኽራን እስራኤልን ቈላኡን ሐዘ።
17 ካብቲ ናብ ሰዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ ሄርሞን ዘሎ በዓል-ጋድ፡ ንዅሎም ነገስታቶም ሐዘ፡ ወቒዑ ድማ ቀተሎም።
18 እያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ ዘበን ተዋግኤ።
19 ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ሃዋውያንሲ፡ ምስ እስራኤል እተዐርቀት ከተማ ኣይነበረትን፡ ንዅለን ተዋጊኦም ሐዝወን።
20 ምእንቲ ፈጺሙ ኼጥፍኦም እሞ ምሕረት ከይረኽቡ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ምእንቲ ኼጥፍኦም፡ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ምትራር ልቦም ካብ እግዚኣብሄር ኰነ።
21 በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ መጺኡ ነቶም ዓናቃውያን ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮን፡ ካብ ደቢር፡ ካብ ዓናብ፡ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ብዘሎ ኣኽራን እስራኤልን ኣጥፍኦም። እያሱ ፈጺሙ ምስ ከተማታቶም ኣጥፍኦም።
22 ኣብ ሃገር ደቂ እስራኤል ገለ ዓናቃውያንን ኣይተረፉን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጋትን ኣብ ኣሽዶድን ጥራይ ተረፉ።
23 ከምኡ ድማ እያሱ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ፡ ንብሃገራ ሓዛ፡ እያሱ ድማ ንእስራኤል ከከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሀቦም። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት።

1 እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዐርዎም እሞ ምድሮም ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ጸሓይ፡ ካብ ርባ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐልጐል ድማ ዘወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም።
2 እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ኻብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን እተዳውብ ርባ ያቦቅ ዚገዝእ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን።
3 ድማ እቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ኪነሮት፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ክሳዕ ባሕሪ ጐልጐል፡ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡ ናብ መገዲ ቤት-የሲሞት፡ ንደቡብ ድማ ኣብ እግሪ ጐቦታት ጲስጋ።
4 ድማ ዶብ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ንሱ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዚቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ።
5 ንሱ ኣብ ከረን ሄርሞንን ኣብ ሳልካን ኣብ ብዘሎ ባሳንን ክሳዕ ዶብ ገሹራውያንን ማዓካታውያንን ኣብ ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ዶብ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን ይገዝእ ነበረ።
6 ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄርን ደቂ እስራኤልን ወቕዕዎም፡ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ድማ እታ ምድሮም ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ሀቦም።
7 እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፡ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓል-ጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሰዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ዝነበሩ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ዝወቕዕዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። እያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ ንርስቲ ሀቦም፡
8 ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ኣብ ጐቦታትን ኣብ በረኻን ኣብ ደቡብን ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ከነኣናውያን፡ ፈረዛውያን፡ ሃዋውያን፡ ይቡሳውያን ድማ፡
9 ንጉስ ያሪኮ ሓደ፡ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤት-ኤል ዘላ ዓይ ሓደ፡
10 ንጉስ የሩስሌም ሓደ፡ ንጉስ ኬብሮን ሓደ፡
11 ንጉስ ያርሙት ሓደ፡ ንጉስ ላኪሽ ሓደ፡
12 ንጉስ ዔግሎን ሓደ፡ ንጉስ ጌዘር ሓደ፡
13 ንጉስ ደቢር ሓደ፡ ንጉስ ጌደር ሓደ፡
14 ንጉስ ሖርማ ሓደ፡ ንጉስ ዓራድ ሓደ፡
15 ንጉስ ሊብና ሓደ፡ ንጉስ ዓዱላም ሓደ፡
16 ንጉስ ማቄዳ ሓደ፡ ንጉስ ቤት-ኤል ሓደ፡
17 ንጉስ ታጱኣ ሓደ፡ ንጉስ ሔፌር ሓደ፡
18 ንጉስ ኣፌቅ ሓደ፡ ንጉስ ላሻሮን ሓደ፡
19 ንጉስ ማዶን ሓደ፡ ንጉስ ሓጾር ሓደ፡
20 ንጉስ ሺምሮን-ሜሮን ሓደ፡ ንጉስ ኣክሻፍ ሓደ፡
21 ንጉስ ታዓናክ ሓደ፡ ንጉስ መጊዶ ሓደ፡
22 ንጉስ ቀደሽ ሓደ፡ ንጉስ ዮቅነዓም ኣብ ቀርሜሎስ ሓደ፡
23 ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ሓደ፡ ንጉስ ጐዪም ኣብ ጊልጋል ሓደ፡
24 ንጉስ ቲርጻ ሓደ። ኵሎም ሰላሳን ሓደን ነገስታት እዮም።

1 እያሱ ድማ ነዊሕ ዘበን ገይሩ ኣሪጉ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በሎ፡ ንስኻ ነዊሕ ዘበን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፡ እትተሐዝ ምድሪ ድማ ገና ኣዝያ ገዛፍ ተሪፋ ኣላ።
2 እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸኣ እዚኣ እያ፡ ብዘሎ ጐደቦታት ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ጌሹራውያንን፡
3 ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብጺ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከኣ ክሳዕ እታ ምስ ምድሪ ኸነኣን እትቚጸር ዶብ ዔቅሮን፡ ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ጋዛውያን፡ ኣሽዶዳውያን፡ ኣስቀሎናውያን፡ ጋታውያን፡ ዔቅሮናውያን ዓዋውያን ድማ፡
4 ብደቡብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣናውያን፡ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ከሳዕ ኣፌቅ፡ ክሳዕ ዶብ ኣሞራውያን፡
5 ድማ ምድሪ ጌባላውያን፡ ብዘሎ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ፡ ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘሎ በዓል-ጋድ ክሳዕ እቲ ንሃማት ዜእቱ፡
6 ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማዪም ዚነብሩ ዅሎም፡ ብዘለዉ ሲዶናውያን። ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ጥራይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤል ንርስቲ ኣካፍሎም።
7 እምበኣር ሕጂ እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ምቐላ።
8 ምስኡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም፡ እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዝሀቦም ርስቶም ተቐበሉ፡
9 ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማ ኸኣ ብዘሎ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦንውን፡
10 ድማ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሔስቦን ክሳዕ ዶብ ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡
11 ጊልዓድን ዶብ ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፡ ብዘሎ ኸረን ሄርሞንን ብዘሎ ባሳን ድማ ክሳዕ ሳልካ፡
12 ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ – ንሱ ኻብቶም ተረፍ ራፋውያን ተሪፉ ነበረ – ሙሴ ድማ ወቒዑ ኣውጽኦም።
13 ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውጽእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣብ ማእከል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ።
14 ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ ኣይሀቦምን፡ ርስቱስ ከምቲ ዝበሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
15 እምበኣርሲ ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሀቦም።
16 ዶቦም ከኣ ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን፡ ብዘሎ ጐልጐል ሜድባ ድማ፡
17 ሔስቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታትን፡ ዲቦንን ባሞት-ብዓልን ቤት-በዓል-ሜዖንን፡
18 ያሕጻን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፡
19 ቂርያታዪምን ሲብማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ኸረን ዘላ ጸሬት-ሻሓር ድማ፡
20 ቤት-ጴዖርን ጎቦታት ጲስጋንን፡ ቤት-የሺሞትን፡
21 ኵለን ከተማታት ጐልጌልን ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ነጊሱ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹማምቲ ሚድያን፡ ኤዊን ረቀምን ጹርን ሑርን ሬባን፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹማምቲ ሲሆን፡ ሙሴ ዝወቕዖም።
22 ንበላዓም ጠንቋሊ ወዲ ቤዖር ድማ ምስቶም ካልኦት ቅቱላቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ቀተልዎ።
23 ዶብ ደቂ ሮቤል ድማ ዮርዳኖስን ዶቡን ነበረ። ርስቲ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም፡ ከተማታትን ዓድታተንን እዚ እዩ።
24 ንነገድ ጋድ ድማ፡ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ሙሴ ሀቦም።
25 ዶቦም ከኣ ያዕዜርን ኵለን ከተማታት ጊልዓድን ፈረቓ ምድሪ ደቂ ኣሞን ድማ ክሳዕ እታ ኣብ መንጽር ራባ ዘላ ዓሮዔር ነበረ።
26 ካብ ሔስቦን ድማ ክሳዕ ራማት-ሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ መሃናይም ከኣ ክሳዕ ዶብ ደቢር፡
27 ኣብቲ ለሰ ድማ፡ ቤት-ሃራምን ቤት-ኒምራን ሱኰትን ጻፎንን፡ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ እቲ ዶብ ድማ ዮርዳኖስ እዩ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ኪነረት፡ ስግር ዮርዳኖስ ብምብራቑ።
28 ርስቲ ደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ከተማታት ምስ ዓድታተን እዚ እዩ።
29 ንፈረቓ ነገድ ምናሴውን ሙሴ ርስቲ ሀቦም፡ ንሱ ኸኣ ንፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ከከም ዓሌቶም ኰነ።
30 ዶብም ከኣ ካብ መሃናይም ብዘሎ ባሳን፡ ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፡ ስሳ ኸተማታት፡
31 ፈረቓ ጊልዓድ ድማ፡ ኣስታሮትን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ንደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ንፈረቓ ደቂ ማኪር ከከም ዓሌቶም ኰነ።
32 እተን ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብወገን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፡ ሙሴ ዘረስተዮም፡ እዚኣተን እየን።
33 ንነገድ ሌዊ ግና፡ ከምቲ ዝበሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም እሞ፡ ሙሴ ርስቲ ኣይህቦምን።

 

1 እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝወረስወን፡ እሞ እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን እቶም ርእስታት ነቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘውረስዎም፡ እዚኣተን እየን፡
2 ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ረርስቶም ብዕጭ ከፈሎም።
3 ነቶም ክልተ ነገድን ንፈረቓ ነገድንሲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፡ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኦም ርስቲ ኣይሀቦምን።
4 ደቂ ዮሴፍ ክልተ ነገድ፡ ምናሴን ኤፍሬምን ነበሩ እሞ፡ ንሌዋውያን ግና፡ ብጀካ እተን ዚነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን ዚዀና ኸበብተን፡ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሀቦምን።
5 ደቂ እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ፡ ነታ ምድሪ ተማቐልዋ።
6 ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ፡ ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቀኔዛዊ፡ ከኣ በሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።
7 እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ።
8 እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሸበርዎ፡ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ።
9 ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ስለ ዝሰዐብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሐለ።
10 ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዚነግሮ፡ ከምቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኰይነ ኣሎኹ።
11 ከምታ ሙሴ ኺልእከኒ መዓልቲ፡ ሎሚ ኸኣ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ፡ ንውግእ ኰነ፡ ንምውጻእ ኰነ፡ ንምእታው ኰነ፡ ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ፡ ሕጂ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ።
12 ሕጂ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ፡ እዚ ኸረን እዚ ሀበኒ። ዓናቃውያንን ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ከም ዘለውዋ፡ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ ኢኻ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ምሳይ ይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ ክሰጎም እየ።
13 እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፋነ መረቖ፡ ኬብሮን ከኣ ንርስቲ ሀቦ።
14 ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄኔዛዊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ስለ ዝሰዐቦ፡ ኬብሮን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ርስቱ ዀነት።
15 ቀደም ስም ኬብሮን ቂርያት-ኣርባ ነበረ። ኣርባ እቲ ኣብ ማእከል ዓናቃውያን ዚዐብዮ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት።

 

1 ንነገድ ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም፡ ክሳዕ ዶብ ኤዶም፡ ናብ ወገን ደቡብ ዜብል በረኻ ሲን፡ ክሳዕ ወሰን ደቡብ ዕጭ በጽሖም።
2 እቲ ናይ ደቡብ ዶቦም ድማ ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡ ካብቲ ንደቡብ ዜብል ልሳን ነበረ፡
3 ንዓቐበት ዓቅራቢም ናብ ደቡቡ ወጺኡ፡ ንሲን ከኣ ሐሊፉ፡ ንቃዴስ-ባርኔዓ ብደቡባ ደዪቡ፡ ንሔጽሮን ሐሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ ናብ ቃርቃዓ ኣቢሉ ከኣ ይዘውር።
4 ንዓጽሞን ኣቢሉ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ርባ ግብጺ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከኣ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶብኩም እዚ ይኹን።
5 ናይ ምብራቕ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው ክሳዕ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ፡ ናይ ሸነኽ ሰሜን ዶብ ድማ ካብ ልሳን ባሕሪ ኣብ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ።
6 እቲ ዶብ ከኣ ንቤት-ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት-ዓራባ ይሓልፍ፡ እቲ ዶብ ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።
7 እቲ ዶብ ከኣ ካብ ለሰ ዓኰር ናብ ደቢር ይድይብ፡ ከምኡ ኸኣ ናብ ሴሜን፡ ንጊልጋል ኣቢሉውን ይጥምት፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ሸነኽ ደቡቡ ነቲ ርባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፡ እቲ ዶብ ድማ ንማይ ዔን-ሸመሽ ይሐልፍ፡ ናብ ዔን-ሮጌል ይወጽእ።
8 እቲ ዶብውን በቲ ለሰ ወዲ ሂኖም ገይሩ፡ ናብ ጸግዒ ደቡብ እታ ይቡሳዊ፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም፡ ይድይብ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብ ሴሜናይ ወሰን ለሰ ረፋይም ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይድይብ።
9 ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ይሐልፍ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮንውን ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ በዓላ፡ ንሳ ቂርያት-የዓሪም፡ ይዘውር።
10 ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ዶብ ንኸረን ሰዒር ይዘውር፡ ናብ ሰሜናይ ጸግዒ ኸረን የዓሪም ከኣ ይሐልፍ፡ ንሱ ኽሳሎን እዩ፡ ንቤት-ሸመሽ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሐልፍ።
11 እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜን ጸግዒ ዔቅሮን ይወጽእ። እቲ ዶብውን ናብ ሺክሮን ኣቢሉ ይዘውር፡ ብኸረን በዓላ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ያብንኤል ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ባሕሪ ይወጽእ።
12 እቲ ናይ ምዕራብ ዶብ ድማ ዓብዪ ባሕርን ዶቡን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ።
13 ንካሌብ ወዲ የፋነ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ይሁዳ ግደ ሀቦ፡ ቂርያት-ኣርባ፡ ኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኬብሮን እያ።
14 ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡ ንሸሻይን ንኣሂማንን ንታልማይን፡ ወለዶ ዓናቅ ካብኣ ኣውጽኦም
15 ካብኣ ናብቶም ኣብ ደቢር ዜነብሩ ደየበ። ስም ደቢር ከኣ ቀደም ቂርያት-ሴፈር ነበረ።
16 ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያት-ሴፈር ተዋጊኡ ዝሐዛ፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ።
17 ሽዑ ዖትኒኤል፡ ወዲ ቄናዝ ሓው ካሌብ፡ ሓዛ እሞ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።
18 ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ፡ ካብ ኣድጋ ኸኣ ወረደት። ካሌብ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ፧ በላ።
19 ንሳ ኸኣ፡ በረኸት ሀበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከኣ ሀበኒ፡ በለት። ንሱ ድማ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሀባ።
20 ርስቲ ነገድ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡
21 እተን ብወገን ደቡብ ናብ ዶብ ኤዶም ዜብላ ወሰኖት ከተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ ድማ፡ እዚኣተን እየን፡ ቃብጽኤልን ዔደርን ያጉርን፡
22 ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን፡
23 ቄዴሽን ሓጾርን ዪትናን፡
24 ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፡
25 ሓጾር-ሓዳታን ቄሪዮት-ሔጽሮንን፡ ንሳ ሓጾር እያ፡
26 ኣማምን ሸማዕን ሞላዳን፡
27 ሓጻር-ጋዳን ሔሽሞንን ቤት-ጰለጥን፡
28 ሓጾር-ሹዓልን ብኤር-ሸባዕን ቢዝዮትያን፡
29 በዓላን ዒዪምን ዓጸምን፡
30 ኤል-ቶላድን ኬሲልን ሖርማን፡
31 ጺቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፡
32 ልባኦትን ሺልሂምን ዓዪንን ሪሞንን፡ ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማ ምስ ዓድታተን።
33 ኣብ ቈላ፡ ኤሽታኦልን ጾርዓን ኣሽናን፡
34 ዛኖኣን ዔን-ጋኒምን ታጱኣን ዔናምን፡
35 ያርሙትን ዓዱላምን ሶኮን ዓዜቃን
36 ሻዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
37 ጽናን ሓዳሻን ሚግዳል-ጋድን፡
38 ዲልዓንን ሚጽጴን ዮቅትኤልን፡
39 ላኪሽን ቦጽቃትን ዓግሎንን፡
40 ካቦንን ላሕማስን ኪትሊሽን፡
41 ግዳሮትን ቤት-ዳጎንን ናዓማን ማቄዳን፡ ዓሰርተው ሹዱሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
42 ሊብናን ዔተርን ዓሻንን፡
43 ዪፍታሕን ኣሽናን ንጺብን፡
44 ቅዒላን ኣክዚብን ማሬሻን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
45 ዔቅሮን ምስ ከተማታታን ዓድታታን።
46 ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋ ዅለን ምስ ዓድታተን።
47 ኣሽዶድ ምስ ከተማታታን። ጋዝ ምስ ከተማታታን ዓድታታን ክሳዕ ርባ ግብጽን ክሳዕ ዓብዪ ባሕርን ዶቡን።
48 ኣብ ከረን ድማ፡ ሻሚርን ያቲርን ሶኮን፡
49 ዳናን ቂርያት-ሳናን፡ ንሳ ደቢር እያ፡
50 ዓናብን ኤሽትሞን ዓኒምን፡
51 ጐሼንን ሖሎንን ጊሎን፡ ዓሰርተው ሓደ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
52 ኣራብን ዱማን ኣሼዓንን፡
53 ያኑምን ቤት-ታጱኣን ኣፌቃን፡
54 ሑምታን ቂርያት-ኣርባን፡ ንሳ ኼብሮን እያ፡ ጺዖርን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
55 ማዖንን ካርሜልን ዚፍን ዮጣን፡
56 ይዝርኤልን ዮቅድዓምን ዛኖኣን፡
57 ቃዪንን ጊብዓን ቲምናን፡ ዓሰርት ኸተማ ምስ ዓድታተን።
58 ሓልሑልን ቤት-ጹርን ግዶርን፡
59 ማዓራትን ቤት-ዓኖትን ኤልትቆንን፡ ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
60 ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ቂርያት-ይዓሪም እያ፡ ራባውን፡ ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
61 ኣብ በረኻ ቤት-ዓራባን ሚዲንን ስካካን፡
62 ኒብሻንን ዒር-ሃመላሕን ዔን-ጌዲን፡ ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
63 ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ይሁዳ ኼውጽእዎም ኣይከኣሉን። ስለዚ ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።

 

1 እቲ ዕጫ ደቂ ዮሴፍ ድማ ካብ ዮርዳኖስ ጥቓ ያሪኮ ብወገን ምብራቑ ንማይ ያሪኮ፡ ካብ ያሪኮ ድማ በቲ ናብ ከረን ቤት-ኤል ዜደይብ በረኻ ወጸሎም።
2 ካብ ቤት-ኤል ናብ ሉዝ ወጺኡ ኸኣ፡ ብዶብ ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሐልፍ።
3 ብምዕራብ ከኣ ዶብ ያፍለጣውያን ክሳዕ ዶብ ታሕታይ ቤት-ሖሮንን ክሳዕ ጌዘርን ይወርድ፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይወጽእ።
4 ደቂ ዮሴፍ፡ ምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ።
5 ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ ዶብ ርስቶም ብምብራቕ ዓጣሮት-ኣዳር ክሳዕ ላዕላይ ቤት-ሖሮን እዩ።
6 እቲ ዶብ ብወገን ምዕራብ ከኣ ንሰሜን ሚክመታት ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ታኣናት-ሺሎ ዞይሩ ናብ ምብራቕ ያኖኣ ይሐልፍ።
7 ካብ ያኖኣ ኸኣ ናብ ዓጣሮትን ናብ ናዓራን ይወርድ፡ ናብ ያሪኮ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ።
8-9 ካብ ታጱኣ እቲ ዶብ ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ርባ ቃና ሐሊፉ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ምስተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ቃናሴ ዘለዋ ንደቂ ኤፍሬም እተፈልያ ኸተማታት፡ ኵለን ከተማታት ምስ ዓድታተን፡ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚኣተን እየን።
10 ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኣየውጽአዎምን አሞ አቶም ከነኣናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፡ ገባሮም ከኣ ኰኑ።

 

1 ንነገድ ምናሴ ድማ፡ በዅሪ ዮሴፍ እዩ እሞ፡ ዕጩ እዚ እዩ፡ ማኪር፡ በዅሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ፡ ተዋጊኢ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንእኡ ዀና።
2 ነቶም ዝተረፋ ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም ዕጭ በጽሖም፡ ንደቂ ኣቢዔዘርን ንደቂ ሔለቅን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን፡ ተባዕትዮ ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
3 ግናኸ ጸሎፈሓድ፡ ወዲ ሔፈር ወዲ ጊልዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፡ ስም እተን ኣዋልዱ ከኣ እዚ እይ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ።
4 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ቀሪበን፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእከል ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ፡ በላ። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን።
5-6 እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፡ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ዀነት።
7 ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም ዘላ ሚክሜታት ኰነ። እቲ ዶብ ከኣ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔን-ታጱኣ ዚነብሩ ይሐልፍ።
8 ምድሪ ታጱኣ ንምናሴ ዀነት፡ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጱኣ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኰነት።
9 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ርባ ቃና ብደቡብ እቲ ርባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ኣብ ማእከል ከተማታት ምናሴ ኽነሰን፡ ንኤፍሬም ኰና፡ ዶብ ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ርባ እዩ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኸኣ ይወጽእ።
10 ደቡብ ንኤፍሬም፡ ሰሜን ድማ ንምናሴ ዀነ፡ ዶቡ ኸኣ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር ብምብራቕ ከኣ ናብ ይሳኮር ይበጽሕ።
11 ድማ ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፡ ቤት-ሸኣንን ዓድታታን፡ ዪብልዓምን ዓድታታን ድማ፡ ኣብ ዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ዔንዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ታዓናክ ዚነብሩን ዓድታትን፡ ኣብ መጊዶ ዚነብሩን ዓድታትን፡ ሰለስቲኤን በረኽቲ ንምናሴ ዀኖ።
12 ግናኸ ደቂ ምናሴ ንሰብ እዘን ከተማታት እዚኤን ኬውጽእዎም ኣይከአሉን እሞ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ሃገር ኪቕመጡ ቘረጹ።
13 ኰነ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ምስ ሐየሉ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበርዎም እምበር፡ ኣይሰጐጕዎምን።
14 ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ ዝኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ ባሪኹኒ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጭን ሃደ ኽፍልን ጥራይ ርስቲ ዝሀብካኒ፧ ኢሎም ተዛረብዎም።
15 እያሱ ኸኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንካ እሞ ከረን ኤፍሬም እንተ ደኣ ጸበባካ፡ ኣብ ምድሪ ፈረዛውያንን ረፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ንኣኻ ልበድ፡ በሎም።
16 ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ እቲ ኸረን ኣይኣኽለናን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዚነብሩ ኸነኣናውያን፡ እቶም ኣብ ቤት-ሸአንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ዀነ፡ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ዚነብሩ ዀነ፡ ኵላቶም ሰረገላታት ሓጺን ኣለዎም፡ በሉ።
17 እያሱ ኸኣ ንቤት ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዪ ሓይሊውን ኣሎካ፡ ሓደ ጥራይ ኣይኹነልካ፡
18 እቲ ኸረን ድማ ንኣኻ ይኹን፡ ዱር ክነሱ፡ ልበዶ እሞ ብዘሎ ናትካ ኪኸውን እዩ። ነቶም ከነኣናውያን ከኣ፡ ሰረገላ ሓጺን እኳ እንተለዎም ሓያላትውን እንተ ዀኑ፡ ከተውጽኦም ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

1 ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሺሎ ተአከበ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣብኣ ተኸልዎ። እታ ሃገር ድማ ተገዝኣትሎም።
2 ካብ ደቂ እስራኤል ሾብዓተ ነገድ ርስቶም ዘይተመቕሉ ተሪፎም ነበሩ።
3 እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሀበኩም ምድሪ ኼድኩም፡ ንምውራሳ ኽሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ፡
4 ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ኣነ ኸኣ ክልእኮም እየ፡ ተንሲኦም ድማ ነታ ሃገር ከይዶም ከከም ርስቶም ጽሒፎም፡ ናባይ ይምጽኡ።
5 ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ከኣ ይምቀልዋ፡ ይሁዳ ኣብ ዶቡ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍውን ኣብ ዶቦም ብወገን ሰሜን ይቀመጡ።
6 ነታ ምድሪ ኸኣ ንስኻትኩም ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ጽሒፍኩም፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕጭ ከውድቐልኩም።
7 እቶም ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ እሞ ኣብ ማእከልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ርስቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።
8 እቶም ሰባት ድማ ተንሲኦም ከዱ፡ እያሱ ኸኣ ነቶም ነታ ምድሪ ኺጽሕፍዋ ዝኸዱ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ እናዞርኩም ጽሐፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ከውድቐልኩም እየ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
9 እቶም ሰባት ከኣ ኸይዶም በታ ሃገር ሓለፉ፡ ከምተን ከተማታት ድማ ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ መቒሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ጸሐፍዋ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ሺሎ ኸኣ ናብ እያሱ መጹ።
10 እያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ኣውደቐሎም እሞ ኣብኡ እያሱ ነታ ሃገር ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ መቐሎም።
11 ንነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጭ ወጸሎም። ዶብ ዕጮም ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወጸሎም።
12 እቲ ዶቦም ብወገን ሰሜን ድማ ካብ ዮርዳኖስ እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜናይ ጸግዒ ያሪኮ ደየበ፡ ነቲ ኸረን ድማ ብምዕራቡ ደዪቡ ናብ በረኻ ቤት-ኣዌን ይወጽእ።
13 ካብኡ ኸኣ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብቲ ደቡብ ጸግዒ ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል፡ ይሐልፍ። እቲ ዶብ ድማ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተይቲ ቤት-ሖሮን ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር ይወርድ።
14 እቲ ዶብ ድማ ቀጺሉ ኻብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ሖሮን ብደቡቡ ዘሎ ኸረን ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ኸኣ ቂርያት-የዓሪም፡ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወጽእ። እዚ ወገን ምዕራቡ እዩ።
15 ወገን ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያት-የዓሪም እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ንምዕራብ ኣቢሉ ይወጽእ፡ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይወጽእ።
16 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይወርድ፡ ንሱ ኸኣ ንለሰ ረፋይም ኣብ ሰሜኑ እዩ። ድማ ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ጸግዒ ደቡብ ይቡሳውያን ይወርድ፡ ናብ ዔን-ሮጌል ከኣ ይወርድ።
17 ወሲኹ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔን-ሸመሽ ይወጽእ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ወጺኡ ኸኣ፡ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።
18 ድማ ነቲ ኣብ መንጽር ጸግዒ ሰሜን ዓራባ ዘሎ ሐሊፉ፡ ናብ ዓራባ ይወርድ።
19 እቲ ዶብ ከኣ ብጸግዒ ሰሜን ቤት-ሖግላ ይሐልፍ፡ ካብኣ እቲ ዶብ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ኣብ ደቡብ ወሰን ዮርዳኖስ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶቡ እዚ እዩ።
20 ብወገን ምብራቕ ከኣ ዶቡ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ዶቡ ብዙርያኡ እዚ እዩ።
21 ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤት-ሖግላን ኤሜቅ-ቀጺጽን፡
22 ቤት-ዓራባን ጸማራዪምን ቤት-ኤልን፡
23 ዓዊምን ጳራን ዖፍራን፡
24 ኬፋር-ዓሞናይን ዖፍኒን ገባዕን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
25 ጊብዖንን ራማን ብኤሮትን፡
26 ሚጽጴን ኬፊራን ሞጻን፡
27 ሬቀምን ዪርጰኤልን ታርኣላን፡
28 ጼላን ኤሌፍን ይቡሲን፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም እያ፡ ጊብዓትን ቂርያትን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።

 

1 እቲ ኻልኣይ ዕጭ ድማ ንስምኦን፡ ንነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።
2 ኣብ ርስቶም ዝዀና ኸኣ፡ ብኤር-ሻባዕን ሸባን ሞላዳን፡
3 ሓጻር-ሹዓልን ባላን ዓጸምን፡
4 ኤልቶላድን በቱላን ሖርማን፡
5 ጲቅላግን ቤት-ማርከቦትን ሓጻር-ሱሳን፡
6 ቤት-ለባኦትን ሻሩሔንን፡ ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ምስ ዓድታተን፡
7 ዓዪንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንን፡ ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
8 ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓላት-ብኤር፡ ንሳ ኸኣ እታ ናይ ደቡብ ራማ፡ ዘለዋ ዅለን ዓድታት። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።
9 ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ግደ ደቂ ይሁዳ ዀነ፡ ግደ ደቂ ይሁዳ ንኣታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ።
10 እቲ ሳልሳይ ዕጭ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶብ ርስቶም ከኣ ክሳዕ ሳሪድ እዩ።
11 ዶቦም ድማ ንምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ዳበሸት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንጽር ዮቅነዓም ዘሎ ርባ ይበጽሕ።
12 ካብ ሳሪድ ከኣ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዶብ ኪስሎት-ታቦር ይምለስ፡ ናብ ደብራት ወጺኡ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።
13 ካብኣ ኸኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋት-ሔፈርን ናብ ዒታ-ቃጺንን ይሐልፍ፡ ናብታ ናብ ኔዓ እትበጽሕ ሪሞን ይወጽእ።
14 እቲ ዶብ ድማ ንእኣ ዞይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብል ናብ ለሰ ይፍታሕ-ኤል ከኣ ይወጽእ።
15 ቃጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ዪድኣላን ቤት-ልሄምን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
16 ርስቲ ደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
17 እቲ ራብዓይ ዕጭ ንይሳኮር፡ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
18 ዶቦም ድማ ናብ ይዝርኤል ኬሱሎትን ሹነምን ይበጽህ።
19 ናብ ሓፍራዪምን ሺኦንን ኣናሓራትን፡
20 ራቢትን ቂሽዮንን ኣቤጽን፡
21 ሬመትን ዔን-ጋኒምን ዔን-ሓዳን ቤት-ጳጼጽን።
22 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ታቦትን ሻሓጺማን ቤት-ሽመሽን ይበጽሕ። እቲ ዶቦም ድማ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ፡ ዓሰርተው ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
23 ርስቲ ነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እተን ከተማታት ምስ ዓድታተን።
24 እቲ ሓምሻይ ዕጭ ከኣ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
25 ዶቦም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣክሻፍን እዩ፡
26 ድማ ኣላመሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን፡ ብወገን ምዕራብ ከኣ ናብ ካርሜልን ናብ ሺሖር-ሊብናትን ይበጽሕ።
27 ንምብራቕ ጸሓይ ኣቢሉ ናብ ቤት-ዳጎን ይምለስ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕ-ኤል ኣብ ሰሜን ቤት-ዔመቅን ነዒኤልን በጺሑ፡ ብጸጋም ካቡል ይወጽእ።
28 ድማ ናብ ዔብሮንን ናብ ሬሖብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ይበጽሕ።
29 እቲ ዶብ ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ እተዐርደት ከተማ ጢሮስ ይምለስ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይወጽእ።
30 ድማ ዑማን ኣፌቅን ሬሖብን፡ ዕስራን ክልተን ከተማ ምስ ዓድታተን።
31 ርስቲ ነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
32 እቲ ሻድሻይ ዕጭ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
33 ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ጸዓናኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚ-ኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ላቁም በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ።
34 እቲ ዶብ ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ፡ ናብ ኣዝኖት-ታቦር ይምለስ፡ ካብኡ ኸኣ ናብ ሑቆት ይወጽእ እሞ ብደቡብ ናብ ዛብሎን ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ጸሓይ ድማ ናብ ይሁዳ ዮርዳኖስ ይበጽሕ።
35 እተን እተዐርዳ ኸተማታት ድማ፡ ጺድምን ጼርን ሓማትን ራቃትን ኪነሬትን፡
36 ኣዳማን ራማን ሓጾርን፡
37 ቄዴሽን ኤድሬዒን ዔን-ሓጾርን፡
38 ዪርኦንን ሚግዳል-ኤልን ሖሬምን ቤት-ዓናትን ቤት-ሸመሽን፡ ዓሰርተው ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን እየን።
39 ርስቲ ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
40 እቲ ሳብዓይ ዕጭ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
41 ዶብ ርስቶም ድማ ጾርዓን ኤሽታኦልን ዒር-ሽመሽን፡
42 ሻዓላቢንን ኣያሎንን ዪትላን፡
43 ኤሎንን ቲምናታን ዔቅሮንን፡
44 ኤልትቄን ጊብቶንን ባዓላትን፡
45 ይሁዳን በነ-ብራቅን ጋት-ሪሞንን፡
46 መ-ያርቆንን ራቆንን ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ ዘሎ ዶብ።
47 እቶም ደቂ ዳን ድማ ደየቡ እሞ ንለሼም ተዋጊኦም ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ከኣ ኣጥፍእዋ፡ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ እሞ፡ ዶብ ደቂ ዳን ካብ ናቶም ሐሊፉ ወጸ፡ ንለሼም ከኣ፡ ከም ስም ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ።
48 ርስቲ ነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
49ነ ታ ምድሪ በብዶባ ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሀብዎ።
50 ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማ፡ ቲምናት-ሴራ ሀብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።
51 እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሺሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዀይኖም፡ ብዕጭ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ። ምምቃል እታ ምድሪ ኸኣ ወድኡ።

1 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2-3 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ፡ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ኪዀናኹም፡ እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቈቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን።
4 ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ይህደም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ ኺሰምዕዎ ይንገሮም። ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ፡ ምሳታቶም ዚነብረላ ቦታ ድማ ይሀብዎ።
5 ነቲ ብጻዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ፡ ከይፈለጠ ቐቲልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም እንተ ሰጐጎ፡ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሀብዎ።
6 ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም፡ እቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ተመሊሱ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን፡ ናብታ ኻብኣ ዝሀደመላ ኸተማ፡ ይእቶ።
7 እምበኣርሲ ኣብ ገሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም፡ ኣብ ከረን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ፈለዩ።
8 ካብ ነገድ ሮቤል ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ እታ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጐልጐል ዘላ ቤጸር፡ ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት፡ ካብ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ።
9 እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ክሳዕ ዚብል፡ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲ፡ ኪሀድመለን እተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።

1 ፤ እግዚአብሔርም እንደ ተናገረው ሣራን አሰበ፤ እግዚአብሔርም እንደ ተናገረው ለሣራ አደረገላት።
2 ፤ ሣራም ፀነሰች፥ እግዚአብሔርም በተናገረው ወራት ለአብርሃም በእርጅናው ወንድ ልጅን ወለደችለት።
3 ፤ አብርሃምም የተወለደለትን ሣራ የወለደችለትን የልጁን ስም ይስሐቅ ብሎ ጠራው።
4 ፤ አብርሃምም ልጁን ይስሐቅን እግዚአብሔር እንዳዘዘው በስምንተኛ ቀን ገረዘው።
5 ፤ አብርሃምም ልጁ ይስሐቅ በተወለደለት ጊዜ የመቶ ዓመት ዕድሜ ነበረ።
6 ፤ ሣራም። እግዚአብሔር ሳቅ አድርጎልኛል፤ ይህንንም የሚሰማ ሁሉ በእኔ ምክንያት ይስቃል አለች።
7 ፤ ደግሞም። ሣራ ልጆችን እንድታጠባ ለአብርሃም ማን በነገረው? በእርጅናው ልጅን ወልጄለታለሁና አለች።
8 ፤ ሕፃኑም አደገ፥ ጡትንም ከመጥባት ተቋረጠ፤ አብርሃምም ይስሐቅን ጡት ባስጣለበት ቀን ትልቅ ግብዣን አደረገ።
9 ፤ ሣራም ግብፃዊቱ አጋር ለአብርሃም የወለደችለትን ልጅ ሲስቅ አየችው።
10 ፤ አብርሃምንም። ይህችን ባሪያ ከነልጅዋ አሳድድ፤ የዚህች ባሪያ ልጅ ከልጄ ከይስሐቅ ጋር አይወርስምና አለችው።
11 ፤ ይህም ነገር በአብርሃም ዘንድ ስለ ልጁ እጅግ ችግር ሆነበት።
12 ፤ እግዚአብሔርም አብርሃምን አለው። ስለ ባሪያህና ስለ ብላቴናው አትዘን፤ ሣራም የምትነግርህን ቃል ሁሉ ስማ፤ በይስሐቅ ዘር ይጠራልሃልና።
13 ፤ የባሪያይቱን ልጅ ደግሞ ሕዝብ አደርገዋለሁ፥ ዘርህ ነውና።
14 ፤ አብርሃምም ማልዶ ተነሣ፥ እንጀራንም ወሰደ፥ የውኃ አቁማዳንም ለአጋር በትከሻዋ አሸከማት፥ ብላቴናውንም ሰጥቶ አስወጣት፤ እርስዋም ሄደች በቤርሳቤህም ምድረ በዳ ተቅበዘበዘች።
15 ፤ ውኃውም ከአቁማዳው አለቀ፤ ብላቴናውንም ከአንድ ቍጥቋጦ በታች ጣለችው፤
16 ፤ እርስዋም ሄደች። ብላቴናው ሲሞት አልየው ብላ ቀስት ተወርውሮ የሚደርስበትን ያህል ርቃ በአንጻሩ ተቀመጠች። ፊት ለፊትም ተቀመጠች፥ ቃልዋንም አሰምታ አለቀሰች።
17 ፤ እግዚአብሔርም የብላቴናውን ድምፅ ሰማ፤ የእግዚአብሔርም መልአክ ከሰማይ አጋርን እንዲህ ሲል ጠራት። አጋር ሆይ፥ ምን ሆንሽ? እግዚአብሔር የብላቴናውን ድምፅ ባለበት ስፍራ ሰምቶአልና አትፍሪ።
18 ፤ ተነሺ፥ ብላቴናውንም አንሺ፥ እጅሽንም በእርሱ አጽኚው፤ ትልቅ ሕዝብ አደርገዋለሁና።
19 ፤ እግዚአብሔርም ዓይንዋን ከፈተላት፥ የውኃ ጕድጓድንም አየች፤ ሄዳም አቁማዳውን በውኃ ሞላች፥ ብላቴናውንም አጠጣች።
20 ፤ እግዚአብሔርም ከብላቴናው ጋር ነበረ፤ አደገም፥ በምድረ በዳም ተቀመጠ፥ ቀስተኛም ሆነ።
21 ፤ በፋራን ምድረ በዳም ተቀመጠ፤ እናቱም ከምድረ ግብፅ ሚስት ወሰደችለት።
22 ፤ በዚያም ዘመን አቢሜሌክ ከሙሽራው ወዳጅ ከአኮዘትና ከሠራዊቱ አለቃ ከፊኮል ጋር አብርሃምን አለው። በምታደርገው ሁሉ እግዚአብሔር ከአንተ ጋር ነው፤
23 ፤ አሁንም በእኔም በልጄም በልጅ ልጄም ክፉ እንዳታደርግብኝ በእግዚአብሔር ማልልኝ፤ ነገር ግን ለአንተ ቸርነትን እንዳደረግሁ አንተም ለእኔ ለተቀመጥህባትም ምድር ቸርነትን ታደርጋለህ።
24 ፤ አብርሃምም። እኔ እምላለሁ አለ።
25 ፤ አቢሜሌክንም ባሪያዎቹ በነጠቁት በውኃ ጕድጓድ ምክንያት አብርሃም ወቀሰው።
26 ፤ አቢሜሌክም አለ። ይህን ነገር ያደረገውን አላወቅሁም፤ አንተም ደግሞ ምንም አልነገርኸኝም፥ እኔም ከዛሬ በቀር አልሰማሁም።
27 ፤ አብርሃምም በጎችንና ላሞችን አምጥቶ ለአቢሜሌክ ሰጠው፤ ሁለቱም ቃል ኪዳን አደረጉ።
28 ፤ አብርሃምም ሰባት ቄቦች በጎችን ለብቻቸው አቆመ።
29 ፤ አቢሜሌክም አብርሃምን። ለብቻቸው ያቆምሃቸው እነዚህ ሰባት ቄቦች በጎች ምንድር ናቸው? አለው።
30 ፤ እርሱም። እኔ ይህችን የውኃ ጕድጓድ እንደቆፈርሁ ምስክር ይሆንልኝ ዘንድ እነዚህን ሰባት ቄቦች በጎች ከእጄ ትወስዳለህ አለው።
31 ፤ ስለዚህ የዚያን ስፍራ ስም ቤርሳቤህ ብሎ ጠራው፤ ከዚያ ሁለቱ ተማምለዋልና።
32 ፤ በቤርሳቤህም ቃል ኪዳንን አደረጉ። አቢሜሌክና የሙሽራው ወዳጅ አኮዘት የሠራዊቱ አለቃ ፊኮልም ተነሥተው ወደ ፍልስጥኤም ምድር ተመለሱ።
33 ፤ አብርሃምም በቤርሳቤህ የተምር ዛፍን ተከለ፤ በዚያም የዘላለሙን አምላክ የእግዚአብሔርን ስም ጠራ።
34 ፤ አብርሃምም በፍልስጥኤም ምድር ብዙ ቀን እንግዳ ሆኖ ተቀመጠ።

 

1 ሽዑ እያሱ ንሮቤላውይንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ጸዎዖም፡
2 በሎም ድማ፡ ንስኻትኩም እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም ዅሉ ሐሊኹም ኢኹም፡ እቲ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ቓለይውን ሰማዕኩም።
3 ንስኻትኩም በዘን ብዙሓት መዓልታት ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሐደግኩምዎምን፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ናይ ትእዛዙ ነገር ደኣ ሐሎኹም።
4 ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነሕዋትኩም ከምቲ እተዛረቦም ኣዕሪፍዎም እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝሀበኩም፡ ናብ ምድሪ ርስትኹም ኪዱ።
5 ሓንትስ፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ክትገብሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ብዅሉ መገድታቱ ኽትከዱ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ናብኡውን ክትለግቡ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ከኣ ከተገልግልዎ፡ ኣዚኹም ተጠንቀቑ።
6 እያሱ ድማ መሪቑ ኣፋነዎም፡ ናብ ድንኳናቶም ከኣ ከዱ።
7 ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሙሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎ ነበረ፡ ነቲ ፈረቓኡ ከኣ እያሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሀቦም። እያሱ ናብ ድንኳናቶም ኪሰዶም ከሎ መረቖም፡
8 ምስ ብዙሕ ሃብቲ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ማል ድማ፡ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ኣስራዝን ምስ ሓጺንን፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንቲውን ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፡ ነቲ ምርኮ ጸላእትኹም ከኣ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ፡ ኢሉ ድማ ተዛረቦም።
9 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፡ ናብ ምድሪ ጊልዓድ፡ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ እተረስተይዋ ምድሪ ርስቶም ኪኸዱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ነቕሉ።
10 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ኸነኣን ምስ መጹ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢ፡ ዓብዪ ርኡይ መሰውኢ ሰርሑ።
11 እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ምድሪ ኸነኣን፡ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም ኣለዉ፡ ኪብሉ ሰምዑ።
12 ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምሳታቶም ንምውጋእ ኪድይቡ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣብ ሺሎ ተአከበ።
13 ደቂ እስራኤል ከኣ ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ለኣኽዎ።
14 ምስኡ ድማ ናይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ሹም፡ ሓሓደ ሹም ንማይ ቤት ኣቦ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ማእከል ኣሽሓት እስራኤል ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ሓላቑ ነበሩ።
15 ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብታ ምድሪ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡
16 ብዘሎ ኣኼባ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንእግዚኣብሄር ክትዐልዉ ንኣኻትኩም መሰውኢ ብምስራሕኩም ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ እተመለስኩምሲ፡ እዚ ሎሚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝበደልኩሞ በደል፡ እንታይ እዩ፧
17 እቲ ሓጢኣት ጴዖር ክሳዕ ሎሚ ኻብኡ ዘይነጻህናሉ እሞ ኣብ ኣኼባ እግዚኣብሄር ምዓት ዝወረደዶ ኣይኣኽለናን እዩ፧
18 ሎሚ ድማ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ተመሊስኩም፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ብምዕላውኩም ጽባሕ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ኪቚጥዖ እዩ።
19 እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ርኽስቲ እንተ ዀነት ግና፡ ናብታ ማሕደር እግዚኣብሄር ሰፊራታ ዘላ ምድሪ ርስቲ እግዚኣብሄር ሕለፉ እሞ ኣብ ማእከልና ተረስተዩ፡ ብጀካ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ መሰውኢ ብምስራሕኩም ንእግዚኣብሄር ኣይትዕለዉ፡ ንኣናውን ኣይትዕለዉና።
20 ዓካን ወዲ ዜራሕ ኣብቲ እተሐርመዶ በደል ኣይበደለን፧ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ድማ መዓት ወረደ፡ በቲ በደሉ ኸኣ እቲ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኣይሞተን።
21 ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ነቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል መሊሶም ተዛረብዎም፡
22 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ንሱ ይፈልጦ ኣሎ፡ እስራኤልውን፡ ንሱ ኺፈልጦ እዩ፡ ነዚ ብበደልን ንእግዚኣብሄር ብምዕላውን እንተ ጌርናዮስ፡– ሎሚ መዓልቲ ኣይተድሕነና፡–
23-24 ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ ወይስ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኸነዕርገሉ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ኽንገብረሉ፡ መሰውኢ እንተ ሰራሕናስ፡ እዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኩም፧ ኪብልዎም እዮም፡ ኢልና ብፍርሃት እንተ ዘይገብርናዮስ፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ይመርምር።
25 ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን፡ እግዚኣብሄር ንኣናን ንኣኻትኩምን ንዮርዳኖስ ዶብ ገይሩልና እዩ እሞ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ኢሎም ደቅኹም ንደቅና ምፍራህ እግዚኣብሄር ከም ዚሐድጉ ይገብርዎም።
26-27 ስለዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ምእንቲ ኸይብልዎም፡ ንእግዚኣብሄር ብዚሐርር መስዋእትናን ብናይ ሕሩድ መስዋእትናን ብናይ ምስጋና መስዋእትናን ኣብ ቅድሚኡ ኽነገልግሎ፡ ንኣና መሰውኢ ኽንነድቕ ንሐሊ፡ ግናኸ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን፡ ብድሕሬና ኸኣ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ኪኸውን፡ ኢልና ደኣ ኢና።
28 ስለዚ ንዳሕራዩ ንኣናን ንወለዶናን ከምዚ ምስ ዚብሉ ነቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ ምስሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ርኣዩ፡ ንሱ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኰነን፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ደኣ ምስክር እይ፡ ንብሎም በልና።
29 ንሕና በጀካ እቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ዘሎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፡ ካብ እግዚኣብሄር ምዕላውን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምምላስንሲ ኻባና ይርሐቕ።
30 ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ኣኼባን እቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤልን፡ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን እተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም።
31 ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን፡ እዚ በደል እዚ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልና ከም ዘሎ፡ ሎሚ ፈለጥና፡ ሕጂ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሐንኩምዎም፡ በሎም።
32 ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን፡ እቶም ሹማምትን ካብ ደቂ ሮቤልን ካብ ደቂ ጋድን ካብ ምድሪ ጊልዓድ ናብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ደቂ እስራኤል ተመልሱ፡ እቲ ነገሩ ድማ መለሱሎም።
33 እቲ ነገሩ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ድሕርቲ ኸኣ፡ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዚነብርዋ ምድሪ ኼጥፍእዋ፡ ኽንዋጋእ ንደይቦም ኢሎም ኣይተዛረቡን።
34 ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ፡ ነቲ መሰውኢ፡ ዔድ፡ ኢሎም ሰመይዎ። ከመይሲ፡ ንሱ እግዚኣብሄርስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ፡ በሉ።

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም፡ እያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፡
2 ንብዘለዉ እስራኤል፡ ንዓበይቶምን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ጸዊዑ በሎም፡ ኣነ አሪገ፡ ነዊሕ ዕድመ ገይረ እየ፡
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ተዋጊኡልኩም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ኵሎም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ዝገበሮ ዅሉ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
4 ርአዩ፡ ነዞም ተሪፎም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶምን ነቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ህዝብታትን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ጸሓይ፡ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕጭ ኣካፈልኩኹም።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሱ ኻብ ቅድሜኹም ኪደፍኦም፡ ካብ ቅድሜኹም ከኣ ኪሰጎም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ድማ፡ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።
6 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ዅሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይትዘብሉስ፡ ኣዚኹም ጽንዑ።
7 ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶም ከይትኣትዉ፡ ስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩ፡ ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡
8 ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንዓበይትን ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጒጒዎም እዩ እሞ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን።
10 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጎም እዩ።
11 ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ንነፍስኹም ኣዚኹም ተሐለዉ።
12 ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ፡ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም፡ ምሳታቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፡ ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተዉ፡
13 ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኰልን መጻወድያን ንጐድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከኣ እሾኽ ኪዀኑኹም እዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም፡ ብርግጽ ፍለጡ።
14 እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ ኣሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።
15 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ነገር ኬምጽኣልኩም እዩ።
16 ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም፡ ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም።

 

1 እያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ከኣ ጸዎዖም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ቐረቡ።
2 እያሱ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩም፡ ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቕመጡ ነበሩ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።
3 ነቦኹም ኣብርሃም ከኣ ካብ ክንየው ርባ ወሲደ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣን መራሕክዎ፡ ዘርኡውን ኣብዛሕኩ፡ ይስሃቅ ከኣ ሀብክዎ።
4 ንይስሃቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሀብክዎ። ንኤሳው ከኣ ከረን ሰዒር ኪርስተያ ሀብክዎ። ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብጺ ወረዱ።
5 ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸኣ ንግብጺ፡ ከምቲ ኣብ ማእከላ ዝገበርክዎ ገይረ፡ ወቓዕክዋ፡ ድሕርቲ ድማ ኣውጻእኩኹም፡
6 ነቦታትኩም ከኣ ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ናብ ባሕሪ ድማ በጻሕኩም። እቶም ግብጻውያን ከኣ ነቦታትኩም ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰጐጒዎም።
7 ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፡ ነቲ ባሕሪ ከኣ ናብ ልዕሊኦም ሰዲዱ ደፈኖም። እቲ ንግብጻውያን ዝገበርክዎ ኸኣ፡ ኣዒንትኹም ርእየናኦ። ኣብ በረኻ ድማ ነዊሕ ዘበን ነበርኩም።
8 ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእቶኹኹም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፡ ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብክኹም፡ ምድሮም ድማ ወረስኩም፡ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእክዎም።
9 ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ተንሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፡ ንበላዓም ወዲ ጴዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመኩም፡ ልኢኹ ጸውዖ።
10 ኣነ ግና ንበላዓም ክሰምዖ ኣይፈቶኹን፡ ስለዚ ንሱስ ኣጸቢቑ ደኣ ባረኸኩም፡ ካብ ኢዱ ኸኣ ኣድሐንኩኹም።
11 ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ያሪኮ መጻእኩም እሞ፡ ሰብ ያሪኮን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ድማ ተዋግኡኹም። ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብኩኹም።
12 ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ድማ ካብ ቅድሜኹም ዝሰገጎም ዕኰት ኣብ ቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፡ ብሴፍካን ብቐስትካን ኣይኰነን።
13 ዘይጸዐርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሀብኩኹም፡ ኣብኤን ከኣ ትነብሩ ኣሎኹም፡ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ ትበልዑ ኣሎኹም።
14 ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ፡ ብፍጹምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ፡ ነቶም ኣብ ክንየው ርባን ኣብ ግብጽን ኣቦታትኩም ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣግልስዎም፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ።
15 ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።
16-17 ሽዑ እቲ ህዝቢ መለሰ በለውን፡ እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘደየበና፡ እዚ ዓበይቲ ተኣምራት እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መገድን፡ ኣብቶም ብማእከሎም ዝሐለፍና ዅሎም ህዝብታትን ዝሐለወና፡ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሐቕ።
18 እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ኵሎም ነቶም ኣብዛ ሃገር ዝነበሩ ኣሞራውያን ካብ ቅድሜና ሰጒጒዎም እዩ፡ ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸኣ ንእግዚኣብሄር ነገልግሎ።
19 እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ በለ፡ ንሱ ቅዱስ ኣምላኽ ንሱ ኸኣ ቀናእ ኣምላኽ እዩ፡ ኣበሳኹምን ሓጢኣትኩምን ኣይሐድገልኩምን እዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኣይትኽእሉን።
20 ንእግዚኣብሄር ሐዲግኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ድማ እንተ ኣገልገልኩም፡ ንሱ ድሕርቲ ጽቡቕ ምስገበረልኩም ከኣ መሉሱ ኽፉእ ኪገብረኩምን ኪውድኣኩምን እዩ።
21 እቲ ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ኣይፋልናን፡ ንእግዚኣብሄር ደኣ ነገልግል፡ በለ።
22 እያሱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኢልኩም ከም ዝሐሬኹምዎ ንስኻትኩም ንርእስኹም ምስክር ኢኹም፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ምስክር ኢና፡ በሉ።
23 እምበኣር ሕጅስ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣግልስዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።
24 እቶም ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ነገልግል፡ ቃሉ ኸኣ ንሰምዕ፡ በልዎ።
25 እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ኺዳን ኣተወ፡ ሕግን ፍርድን ከኣ ኣብ ሴኬም ኣቘመሉ።
26 እያሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ዅሉ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ጸሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ድዋ ኣቘሞ።
27 እያሱ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ እንሆ፡ እዚ እምኒ እዚ ነቲ እግዚኣብሄር እተዛረበና ዅሉ ቓላት ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣባና ምስክር ኪኸውን እዩ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽኩም ምእንቲ ኽይትኽሕዱስ፡ ኣባኻትኩም ምስክር ኪኸውን እዩ፡ በሎ።
28 ሽዑ እያሱ ነቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ሰደዶ።
29 ድሕርዚ ነገር እዚ ኸኣ ኰነ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።
30 ኣብ ዶብ ርስቱ ኣብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ ዘላ ቲምናት-ሴራሕ ድማ ቀበርዎ።
31 እስራኤል ከኣ፡ ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈለጡ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
32 እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ እተማልእዎ ዓጽሚ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቀሲጣ ዝዐደጋ ግራት፡ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ዀነቶም።
33 ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ እተዋህበት፡ ኣብ ጊብዓ ቐበርዎ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Cresta Help Chat
Send via WhatsApp
Translate »