ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ መሣፍንት   (Judges)

እያሱ ምስ ሞተ ነገዳት እስራኤል ነቲ ደቡባዊ ኽፋል ከነኣን ወረርዎ እንተዀነ ግን ነታ ምድሪ ኻብቶም ተቐማጦኣ ምሉእ ብምሉእ ኬጽርይዋ ኣይከኣሉን። ኣምላኽ እዞም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ንኸይነብርዋ ዕንቅፋት ከም ዚዀኑ ይእውጅ እዩ። ዕድመ ይሓልፍ እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ኣምላኽ ይርሕቑ ምስ ከነኣናውያን ይምርዓዉ ንኣምላኾም ድማ የምልኹ ነበሩ። ኣምላኽ ንእስነቱ ብዘይምስዓቡ ንእስራኤላውያን ኪሓድጎም ወሰነ የግዳስ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሓጺር እዋን መራሕቲ ንኪኸውን ተኸታታሊ ደያኑ ወይ መራሒ መረጸ። ይኹን እምበር እስራኤላውያን ንኣምላኾም ካብ ምምላኽ ኣየቋረጹን ።

መጽሐፈ መሣፍንት (Judges)

1 ድሕሪ ሞት እያሱ ድማ ኰነ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፡ ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደይብ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
2 እግዚኣብሄር ከኣ ይሁዳ ይደይብ፡ እንሃ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ እየ፡ በለ።
3 ይሁዳ ኸኣ ንስምኦን ሓዉ፡ ምስ ከነኣናውያን ክንዋጋእሲ፡ ናብቲ ብጽሒተይ ምሳይ ደይብ፡ ኣነ ኸኣ ናብቲ ብጺሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ፡ በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ።
4 ይሁዳ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ።
5 ንኣዶኒ-ቤዜቅ ከኣ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፡ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ከኣ ሰዐርዎም።
6 ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ ሀደመ፡ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ስዒቦም ሐዝዎ፡ ዓብይዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸኣ ቘረጽዎ።
7 ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቘርጹ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ መኣደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፡ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ፡ በለ። ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብኣ ኸኣ ሞተ።
8 ደቂ ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ተዋግእዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ከኣ ሐዝዋ። ነታ ኸተማ ድማ ሓዊ መለሱላ።
9 ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ከረንን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ።
10 ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ከደ፡ – ስም ኬብሮን ቀደም ቂርያት-ኣርባ ነበረ -። ንሽሻይን ንኣሒማንን ንታልማይን ወቕዕዎም።
11 ካብኡ ናብቶም ኣብ ደቢር ዚነብሩ ኸደ። – ስም ደቢር ቀደም ቂርያት-ሰፈር ነበረ -።
12 ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያት-ሰፈር ወቒዑ ዝሐዛ፡ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ።
13 ዖትንኤል፡ ወዲ ቄናዝ ንእሽቶ ሓዉ ንኻሌብ፡ ሐዛ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ድማ ሀቦ።
14 ኰነ ኸኣ፡ ናብኡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን መኸረቶ። ካብ ኣድጊ ኸኣ ወረደት፡ ካሌብ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ በላ።
15 ንሳ ኸኣ፡ በረኸት ሀበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ሀበኒ፡ በለቶ። ካሌብ ድማ፡ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሀባ።
16 ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ተምሪ ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ በረኻ ይሁዳ ደየቡ። ከይዶም ከኣ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።
17 ይሁዳ ድማ ምስ ስምኦን ሓዉ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ጽፋት ዝነበሩ ኸነኣናውያን ወቕዕዎም፡ ፈጺሞም ከኣ ኣጥፍእዋ። ስም እታ ኸተማ ድማ ሖርማ ተባህለ።
18 ይሁዳ ኸኣ ንጋዛን ንዶባታን ንኣሽቀሎንን ንዶባታን ንዔርቅሮንን ንዶባታን ድማ ሐዘን።
19 እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቶም ኣብ ከረን ዝነበሩ ኣልቀቖም፡ ነቶም ኣብ ለሰ ዚነብሩ ግና፡ ሰረገላታት ሓጺን ነበሮም እሞ፡ ኬልቅቖም ኣይከኣለን።
20 ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እተዛረቦ፡ ኬብሮን ሀብዎ፡ ንሱ ኸኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።
21 ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን እሞ፡ እቶም ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ የሩሳሌም ኣለዉ።
22 ቤት ዮሴፍ፡ ንሳቶምውን ናብ ቤት-ኤል ደየቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳታቶም ነበረ።
23 ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤት-ኤል ሰለይዋ። – ስም እታ ኸተማ ኸኣ ቀደም ሉዝ ነበረ -።
24 እቶም ሰለይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ርእዮም፡ በጃኻ፡ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ምሕረት ክንገብረልካ ኢና፡ በልዎ።
25 መእተዊ እታ ኸተማ ኸኣ ኣርኣዮም፡ ነታ ኸተማ ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ይኺዱ ሐደግዎም።
26 እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ ኸተማ ሰርሔ፡ ስማ ኸኣ ሉዝ ሰመያ፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ስማ ንሱ እዩ።
27 ምናሴ ድማ ንቤት-ሸኣንን ንዓድታታን፡ ንተዓናቅን ንዓድታታን፡ ነቶም ኣብ ዶርን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ይብልዓምን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ፡ ነቶም ኣብ ምጊዶንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ድማ ኣይወረሶምን። እቶም ከነኣናውያን ደኣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኺነብሩ ቘረጹ፡
28 ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ምስ በርትዔ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበሮም እምበር፡ ምልቃቕሲ ኣየልቀቖምን።
29 ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኣየልቀቖምን፡ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብ ማእከሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።
30 ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂጥሮን ዚነብሩን ነቶም ኣብ ናሃሎል ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ስለዚ እቶም ከነኣናውያን ኣብ ማእከሎም ተቐመጡ፡ ገባሩ ድማ ዀኑ።
31 ኣሴር ነቶም ኣብ ዓኮ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሔልባን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ሬሖብን ዚነብሩ ኣየልቀቖምን።
32 ስለ ዘየልቀቖም ከኣ፡ ኣሴራውያን ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ተቐመጡ።
33 ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤት-ሸመሽ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ቤት-ዓናት ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ደኣ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሸመሽን ኣብ ቤት ዓናትን ዚነብሩ ግና ገባሮም ኰኑ።
34 እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ከረን ደፍእዎም እምበር፡ ናብ ለሰ ኺወርዱ ኣይሐደግዎምን።
35 ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሃርሔረስን ኣብ ኣያሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ኪቕመጡ ቘረጹ። ግናኸ ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፡ ገባሩ ድማ ዀኑ፡
36 ዶብ ኣሞራውያን ከኣ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም ካብ ሴላዕ ንላዕሊ ነበረ።

1 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸኣ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኸኣ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳይኻትኩም ዝአቶኹዎ ኺዳነይ ንዘለኣለም ኣየፍርሶን እየ።
2 ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ኺዳን ኣይትእተዉ፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧
3 ስለዚ ድማ፡ ንጐድንኹም ኵርኳሕ ይኹኑኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጥራ ይኹኑኹም እምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ።
4 ኰነ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኤን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።
5 ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
6 እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከኣ፡ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ-ርስቶም ከዱ።
7 እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝርኣዩ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ።
8 እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከኣ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተ።
9 ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ከረን ገዓሽ፡ ኣብ ቲምናት-ሄረስ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ።
10 እቲ ወለዶ እቲ ዅሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተኣከቡ ድሕሪኦም ከኣ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ።
11 ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓልውን ኣገልገሉ።
12 ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጾም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።
13 ንእግዚኣብሄር ሐዲጎምስ ንበዓልን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ፡
14 ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቘሙ ኣይከኣሉን።
15 ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምን፡ ናብ ኵሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም።
16 ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም።
17 ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይሰምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶምሲ ኣይገበሩን።
18 ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቘዘምዎምን እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ ኣተንስኣሎም፡ ብዅሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ከይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ።
19 እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምሶዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸዉ። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን።
20 ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከኣ ስለ ዘይሰምዑ፡
21-22 ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልዉ እንተ ዀይኖም ወይ ዘይሕልዉ፡ ብኣታቶም ምእንቲ ኽፍትኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎም ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጕግን እየ።
23 እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጐጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸኣ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን።

 

1 ነቶም ኵሉ ውግእ ከነኣን ዘይፈለጡ ዘበሉ እስራኤልሲ እግዚኣብሄር ብኣታቶም ኪፍትኖም ኢሉ ዝሐደጎም ህዝብታት እዚኣቶም እዮም፡
2-3 ሓሙሽቲኦም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ከነኣናውያንን ሲዶናውያንን፡ እቶም ኣብ ከረን ሊባኖስ፡ ካብ ከረን በዓል-ሔርሞን ክሳዕ መእተው ሓማት ዚነብሩ ሃዋውያንውን፡ እዚ፡ እቶም ወለዶ ደቂ እስራኤል፡ ምናዳ እቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዘበሉ፡ ውግእ ተማሂሮም ምእንቲ ኺፈልጡ ጥራይ እዩ።
4 እቲ ነቦታቶም ብሙሴ ዝአዘዞም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዚሰምዑ እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ እዚኣቶም ንምፍታን እስራኤል ነበሩ።
5 ደቂ እስራኤል ኣብ ማእከል ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ተቐመጡ።
6 ኣዋልዶም ከኣ ኣንስቲ ኪዀናኦም ወሰዱ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳቶም ሀቡ፡ ንኣማልኽቶምውን ኣገልገልዎም።
7 ደቂ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ።
8 ስለዚ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ ኣብ ኢድ ዅሻን-ሪሻታይም ንጉስ ኣራም-ነሃራዪም ሸጦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንዅሻን-ሪሻታይም ሾሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።
9 ግናኸ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዜድሕኖም መድሓኒ ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ፡ ንእሽቶ ሓዉ ንካሌብ፡ ኣተንስኣሎም።
10 መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኪዋጋእ ከኣ ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኪሻን-ሪሻታይም ንጉስ ኣራም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኢዱ ኸኣ ንኩሻን-ሪሻታይም ሐየለቶ።
11 እታ ሃገርውን ኣርብዓ ዓመት ዐረፈት። ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ ከኣ ሞተ።
12 ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ።
13 ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም ከይዱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ሰዐሮም፡ ንኸተማ ተምሪውን ሐዝዋ።
14 ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።
15 ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኤሁድ ወዲ ጌራ፡ ብንያማዊ፡ ዓኼላይ ሰብኣይ፡ መድሓኒ ኣተንስኣሎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ብኢዱ ገጽ በረኸት ሰደዱ።
16 ሽዑ ኤሁድ ክልተ ዝኣፉ እመት ዝምንዋሓ ሴፍ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሕቜኡ ዐጠቓ።
17 እቲ ገጽ በረኸት ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ፡ ዔግሎን ድማ ኣዝዩ ኸሪሹ ነበረ።
18 ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ገጽ በረኸት ኣቕሪቡ ምስ ፈጸመ፡ ነቶም ነቲ ገጽ በረከት ጾይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ሰደዶም።
19 ንሱ ግና ካብታ ኣብ ጊልጋል ዘላ ስፍራ ምስልታት ተመሊሱ፡ ዎ ንጉስ፡ ሕቡእ ነገር ዝነግረካ ኣሎኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ስቕ በል፡ በሎ። እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ከኣ ካብኡ ወጹ።
20 ኤሁድ ድማ ናብኡ አተወ፡ ንሱ ኸኣ ኣብታ ንእኡ ንበይኑ ጥራይ ዝነበረት ላዕለይቲ ቤት ሓጋይ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ኤሁድ ድማ፡ ንኣኻ ዝነግረካ ቓል ኣምላኽ ኣሎኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ካብ መንበሩ ተንስኤ።
21 ኤሁድ ድማ ጸጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሴፍ ካብ የማነይቲ ሕቜኡ መሲቱ ናብ ከብዱ ሸኸተሉ።
22 ድሕሪ እታ ሴፍ ድማ ጋይማ አተወ፡ ነታ ሴፍ ካብ ከብዱ ኣየውጽኣን እሞ ስብሒ ኸደና፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ወጸት።
23 ሽዑ ኤሁድ ናብቲ ደገ ቤት ወጸ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ዐጽዩ ሸጐሮ።
24 ንሱ ምስ ወጸ፡ እቶም ገላዉ መጺኦም ረአዩ፡ እንሆ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ተሸጒሩ ነበረ እሞ፡ ርግጽ ኣብ ሕልፍኚ ቤት ሓጋይ ኰይኑ ጕዳዩ ይገብር ኣሎ፡ ከኣ በሉ።
25 ክሳዕ ዚሽገሩ ተጸበዩ፡ እንሆ፡ ንሱ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ኣይከፈተን እሞ፡ መኽፈቻ ወሲዶም ከፈትዎ፡ እንሆ ድማ፡ ጐይታኦም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ።
26 ኤሁድ ግና በቲ ምድንጓዮም ኣምለጠ፡ ናብ ክንየው ስፍራ ምስልታት ሐሊፉ ናብ ሰዒራ ኣምለጠ።
27 ኰነ ኸኣ፡ ምስ አተወ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም መለኸት ነፍሔ፡ ደቂ እስራኤል ድማ፡ ንሱ ቐቅድሚኦም ኰይኑ፡ ምስኡ ኻብ ከረን ወረዱ።
28 ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንሞኣባውያን፡ ጸላእትኹም፡ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስዐቡኒ፡ በሎም። ደድሕሪኡ ኸኣ ወረዱ፡ ነቲ ንሞኣብ ዜብል መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐዝዎ፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኺሐልፍ ኣይሐደጉን።
29 በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሞኣብ ዓሰርተ ሽሕ ዚአኽሉ ሰብ ቀተሉ፡ ኵሎም ድልዱላት፡ ኩሎምውን ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን።
30 ሞኣብ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደ። እታ ሃገር ከኣ ሰማንያ ዓመት ዐረፈት።
31 ብድሕሪኡ ድማ ሻምጋር ወዲ ዓናት ነበረ፡ ንሱ ብስላዕ ብዕራይ ገይሩ ሹድሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀተለ፡ ንሱውን ንእራኤል ኣድሐኖም።

1 ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ።
2 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም። ሓላቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ሓሮሼት-ጎይም ይቕመጥ ነበረ።
3 ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
4 ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።
5 ንሳ ኸኣ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ።
6-7 ንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሐለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ፡ ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧ በለቶ።
8 ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪ፡ ክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ።
9 ንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት።
10 ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት።
11 ሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያን፡ ደቂ ዮባብ ሓሙ ሙሴ፡ ተፈልዩ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጸዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ።
12 ንሲሰራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ፡ ነገርዎ።
13 ሽዑ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱ፡ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼት-ጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ።
14 ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ።
15 እግዚኣብሄር ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሀደመ።
16 ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ሲሰራ ስዒቡ ክሳዕ ሓሮሼት-ጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
17 ያቢን ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ሀደመ።
18 ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ጐይታይ፡ እቶ፡ ናባይ እቶ፡ ኣይትፍራህ፡ በለቶ። ናብኣ ድማ ናብ ድንኳን አተወ፡ ንሳ ኸኣ ወንጮ ኸደነቶ።
19 ንሱ ድማ፡ ጸሚኤ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውን።
20 ንሱ ድማ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ሰብ መጺኡ፡ ኣብዚዶ ሰብ ኣሎ፧ ኢሉ እንተ ሐተተኪ፡ የልቦን በሊ፡ በላ።
21 ንሱ ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ ጠፍኦ፡ ሽዑ ያዔል ሰበይቲ ሔበር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፡ ቀስ ኢላ ናብኡ አተወት፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ ኣተወ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ።
22 እንሆ ድማ፡ ባራቅ ንሲሰራ ኺሰጎ ኸሎ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጺኣ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ፡ በለቶ። ናብኣ ድማ አተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ፡ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ።
23 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣምላኽ ንያቢን፡ ንጉስ ከነኣን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረደ።
24 ንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዜጥፍእዎ ኸኣ፡ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናረዘነት ከደት።

 

1 በታ መዓልቲ እቲኣ ዴቦራን ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓምን እዚ መዝሙር እዚ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩ፡
2 መራሕቲ ኣብ እስራኤል ምርሒት ስለ ዝወሰዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ርእሱ ብፍቓድ ስለ ዝወፈየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
3 ኣቱም ነገስታት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ሹማምቲ፡ ጽን በሉ። ኣነ፡ እወ ኣነ ንእግዚኣብሄር እዝምረሉ፡ ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽ እስራኤል እቕነየሉ ኣሎኹ።
4 ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ሰዒር ምስ ወጻእካ፡ ካብ መሮር ኤዶም ድማ ምስ ከድካ፡ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፡ ደበናታት ድማ ማይ ኣንጠብጠቡ።
5 ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተነቓነቑ፡ እዚ ሲና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ።
6 ብዘበን ሻምጋር ወዲ ዓናት፡ ብዘበን ያዔል ጐደና መገዲ ሐደጉ፡ ሓለፍቲ መገዲ ድማ ብጥውጥዋይ መገዲ ኸዱ።
7 ኣነ ዴቦራ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ሓላቑ ተሳእኑ፡ ተሳእኑ።
8 ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ፡ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ። ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤልከ ዋልታ ዀነ፡ ኵናት ኰነዶ ተርኤ፧
9 ልበይ ምስቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፡ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ።
10 ኣቱም ጸዓዲት ኣእዱግ እትውጥሑ፡ ኣቱም ኣብ ምንጻፋት እትቕመጡ፡ ኣቱም ሐለፍቲ መገዲውን፡ ብዛዕባኡ ተዛረቡ።
11 ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፡ ኣብ መንጎ ጋብላታት፡ ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ጽድቂ ሓላቑኡ ድማ ይንገሩ። ሽዑ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ደጌታት ወረደ።
12 ተንስኢ፡ ተንስኢ ዴቦራ፡ ተንስኢ፡ ተንስኢ፡ መዝሙር ዘምሪ። ባራቕውን ተንስእ፡ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ ማርኽ።
13 ሽዑ ተረፍ እቶም ክቡራትን እቲ ህዝብን ወረዱ፡ እግዚኣብሄር ናባይ ኣብቶም ጀጋኑ ወረደ።
14 ኣብ ኣማሌቅ ዝሱሮም ካብ ኤፍሪም ወረዱ፡ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእከል ህዝብታትካ፡ ሓላቑ ኸኣ ካብ ማኪር ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዚምርሑ ወረዱ።
15 ሹማምቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡ ባራቅውን ከም ይሳኮር ገበረ፡ ብታህዋኽ ናብቲ ለሰ እግረእግሩ ጐየዩ። ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምኽርታት ልቢ ነበረ።
16 ስለምንታይከ ዕንዱር ጓሶት ክትሰምዕ፡ ኣብ ማእከል ደምቤታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ፧ ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምርመራታት ልቢ ነበረ።
17 ጊልዓድ ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ሰፊሩ ነበረ፡ ዳንከ ስለምንታይ ኣብ መራኽብ ተቐመጠ፧ ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ይቕመጥ ነበረ፡ ኣብ ወደባቱ ኸኣ ሰፈረ።
18 ዛብሎን ነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፡ ንፍታሌም ድማ ኣብ በረኽቲ መሮር ከምኡ ገበረ።
19 ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፡ ሽዑ ኣብ ተዓናክ ኣብ ማያት መጊዶ፡ ነገስታት ከነኣን ተዋግኡ፡ ምርኮ ብሩር ግና ኣይወሰዱን።
20 ካብ ሰማይ ተዋግኡ፡ ከዋኽብቲ ኣብ ምኻዶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ።
21 ርባ ቂሶን፡ እቲ ናይ ጥንቲ ርባ፡ ርባ ቂሶን ጓቲቱ ወሰዶም። ዎ ነፍሰይ፡ ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
22 ሽዑ ኻብ ጋልበት፡ ጋልበት እቶም ሓያላቱ፡ ሸዃኑ ፈረስ ደርጓዕጓዕ በለ።
23 መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንሜሮዝ ርገምዋ፡ ይብል፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑ ስለ ዘይመጹ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኣዚኹም ርገምዎም።
24 ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
25 ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሀበቶ፡ ብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ።
26 ኢዳ ናብ ሸኻል፡ የማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሔት፡ ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፡ መታልሑ ኣንኵላውን ኣሕለፈቶ።
27 ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ በጥ ከኣ በለ፡ እወ፡ ኣብ ምንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ ኣብቲ እተቘልዐጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ።
28 ኣደ ሲሰራ ብመስኰት ጠመተት፡ በቲ ዓይኒ-ርግቢ ኸይና ጨደረት፡ ሰረገላኡ እንታይ ኰይኑ ምምጻእ ደንጐየ፧ መንኰራዅር ሰረላኡኸ እንታይ ኰይኑ ደሐረ፧
29 እተን ጥበበኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፡ ንሳ ንርእሳውን መለሰት፡
30 ምርኮዶ ኣይረኸቡን፧ ኣይመቐሉንዶኸ፧ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሓንቲ ጓል፡ ክልተ ጓል፡ ንሲሰራ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ። ኣብ ክሳውዲ እቶም ምሩኻትከ በበይኑ ዝሕብሩ ብኽልተ ወገኑ ጥሉፍ ክዳውንቲዶ ኣይረኸቡን፧
31 ዎ እግዚብሄር፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዚፈትውዎ ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡ ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ። እታ ሃገር ድማ ኣርብዓ ዓመት ዐረፈት።

 

1 ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ሾብዓተ ዓመት ናብ ኢድ ሚድያን ኣሕሊፉ ሀቦም።
2 ኢድ ሚድያን ድማ ኣብ እስራኤል በርትዔት፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብሰሪ ሚድያን እቲ ኣብ ኣኽራን ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን እምባታትን ገበሩ።
3 ኰነ ድማ፡ እስራኤል ምስ ዘርኤ፡ ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ደየቡ፡ ናብኦም ደየብዎም።
4 ኣብኦም ሰፊሮም፡ ክሳዕ እቲ ንጋዛ ዜእቱ ፍረ እታ ምድሪ ኣጥፍኡ፡ ገለ ምግቢ ዀነ፡ በጊዕ ኰነት፡ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ ኣብ እስራኤል ኣይሐደጉን።
5 ንሳቶም ምስ ከብቶምን ድንኳውንቶምን ደየቡ፡ ምብዛሖም ከም ኣንበጣ ዀይኖም መጹ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቊጽሪ ዜብሎም ነበሩ እሞ፡ ኬጥፍእዋ ናብታ ሃገር ኣተዉ።
6 እስራኤል ብሚድያን ብዙሕ ተሸገረ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
7 ኰነ ኸኣ ደቂ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡
8 እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነብዪ ሰደደሎም። ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ካብ ቤት ባርነት ኣውጻእኩኹም።
9 ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም መጥቃዕትኹምን ኣድሐንኩኹም፡ ንኣታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐ ምድሮም ሀብኩኹም።
10 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ኣብ ሃገሮም ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኣሞራውያን ኣይትፍራህዎም፡ ድማ በልኩኹም። ግናኸ ቃለይ ኣይሰማዕኩምን።
11 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መጺኡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ዮአስ ኣቢዔዝራዊ፡ ኣብ ዖፍራ ዘላ ድዋ ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ኪሐብእ፡ ስርናይ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ።
12 ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከኣ በሎ።
13 ጊዴዎን ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደኣ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ረኸበና፧ እቲ ኣቦታትና፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ኣደይቡናዶ ኣይኰነን፡ ኢሎም ዝነገሩና ዅሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ፧ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ሐዲጉናስ፡ ኣብ ኢድ ሚድያን እኳ ኣሕሊፉ ሂቡና፡ በሎ።
14 ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልጽ ኢሉ፡ ልኢኸካዶ ኣይኰንኩን፧ በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም፡ በሎ።
15 ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፧ በሎ።
16 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ፡ በሎ።
17 ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘሎኻ ንስኻ ከም ዝዀንካ ምልክት ሀበኒ፡
18 መስዋእተይ ኣውጺኤ፡ ናባኻ መጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ካብዚ ኣይትኺድ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ እትምለስ፡ ክጸንሓካ እየ፡ በሎ።
19 ሽዑ ጊዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ቅጫ ሰንኪቱ ኣዳለወ። ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፡ ነቲ መረቕውን ኣብ ቊራዕ ገበሮ። ኣብ ትሕቲ ድዋ ኣውጺኡ ድማ ናብኡ ኣቕረበሉ።
20 እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኣንብሮ ነቲ መረቕውን ኣፍስሶ፡ በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ።
21 ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ተንከዮ እሞ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ።
22 ሽዑ ጊዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ረአየ። ጊዴዎን ከኣ፡ ወይለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ርእየዮ፡ በለ።
23 እግዚኣብሄር ድማ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ ኣይትፍራህ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ።
24 ሽዑ ጊዴዎን ካብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ እግዚኣብሄር-ሰላም፡ ኢሉ ኸኣ ሰመዮ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።
25 ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በሎ፡ ናይ ኣቦኻ ኣርሓ፡ እቲ ኻልኣይ ሾብዓተ ዓመት ዝገበረ ኣርሓ፡ ውሰድ፡ ነቲ ናይ ኣቦኻ መሰውኢ በዓል ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ኣስታርተ ኸኣ ቊረጾ።
26 ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፡ ነቲ ኻልኣይ ኣርሓ ኸኣ በቲ እተቘርጾ ኣስታርተ ጌርካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርጎ።
27 ሽዑ ጊዴዎን ካብ ገላዉኡ ዓሰርተ ሰብ ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮስ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሄ፡ ብለይቲ ገበሮ።
28 ንጽቢሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ኸኣ ተቘረጹ፡ እቲ ኻልኣይ ኣርሓውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ።
29 ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ ነገር እዚ መን ገበሮ፧ ተባሃሀሉ። ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ እዚ ነገር እዚ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ዝገበሮ፡ በሉ።
30 ሽዑ ሰብ እታ ኸተማ ንዮኣስ፡ ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ቈሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮ፡ በልዎ።
31 ዮኣስ ከኣ ነቶም ኪቃወምዎ ዝተንስኡ ዅሎም፡ ንበዓልዶ ኽትጣበቑሉ ኢኹም፡ ወይስ ክተድሕንዎዶ ደሊኹም፧ እቲ ኺጣበቐሉ ዚደሊ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ይሙት፡ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ፡ በሎም።
32 ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ፡ ኢሉ የሩብ-በዓል ሰመዮ።
33 ሽዑ ዅሎም ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተአከቡ፡ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ሰፈሩ።
34 ንጊዴዎን ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ። ንሱ መለኸት ነፍሔ፡ ኣቢዔዝራውያን ከኣ ተአኪቦም ሰዐብዎ።
35 ናብ ብዘሎ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከኣ ከቲቶም ሰዐብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ኪቕበልዎም ደየቡ።
36 ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ንእስራኤል ብኢደይ ተድሕኖ እንተ ዄንካስ፡
37 እንሆ፡ ኣነ እዚ ቚሩጽ ጸምሪ እዚ ኣብ ዓውዲ ኤንብር ኣሎኹ። ኵላ ምድሪ ንቕጽቲ ኸኣ ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዛዓ እንተ ዀነ፡ ሽዑ ኸምቲ እተዛረብካዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ፡ በሎ።
38 ከምኡ ድማ ዀነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ጸሞቘ፡ ካብቲ ጸምሪ ኸኣ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውጽኤ።
39 ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብ፡ ቊጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን በጃኻ። እምበኣርሲ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዞዓ ይኹን፡ በሎ።
40 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ከሎ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዛዕዝዓ ዀነ።

 

1 የሩብ-በዓል፡ ንሱ ጊዴዎን፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከኣ ሰፈሩ። ሰፈር ሚድያን ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኵርባ ሞሬ፡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።
2 እግዚኣብሄር ንጊዴዎን፡ ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይህቦም፡ እስራኤል፡ ኢደይ ኣድሐነትኒ፡ ኢሉ ኸይዕበየለይ፡ እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ።
3 እምበኣር ሕጂ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ፡ ፈራህን ተሸባርን ዘበለ ይመለስ፡ ካብ ከረን ጊልዓድ ይኺድ፡ ኢልካ ኣውጅ፡ በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመልሱ፡ ዓሰርተ ሽሕ ከኣ ተረፉ።
4 እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝብለካ ዘበለ ኸኣ፡ ንሱ ኣይኺድ፡ በሎ።
5 ሽዑ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ማይ ብልሳኑ ዚሰቲ ዘበለ፡ ንእኡ ንበይኑ፡ ነቲ ብብርኩ ተደቢሩ ዚሰቲውን ከምኡ ግበሮ፡ በሎ።
6 ቊጽሪ እቶም ብኢዶም ንኣፎም ማይ ዝሰተዩ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ኰኑ። እቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ ግና ማይ ኪስትዩ፡ ብብርኮም ተምበርኪኾም ደነኑ።
7 እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ በዞም ብኢዶም ዝሰትዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰብኣይ ከድሕነኩእየ፡ ሚድያናውያን ከኣ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ። እቲ ህዝቢ ዅሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቦታኡ ይኺድ፡ በሎ
8 ሽዑ እቶም ህዝቢ ብኢዶም ስንቆምን መለኸቶምን ወሰዱ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም፡ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ግና ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።
9 ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብቲ ሰፈር ውረድ።
10 ንስኻ ምውራድ እንተ ፈራህካ ግና፡ ንስኻ ምስ ግልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ፡
11 እቲ ዚዛረብዎ ኽትሰም ኢኻ። ድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኣእዳውካ ኺጸንዓ እየን፡ በሎ። ሽዑ ንሱ ምስ ጱራ ግልያኡ፡ ናብ ወሰን እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ።
12 ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕ ድማ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖምን ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከኣ ቊጽሪ ዜብለን፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሔን ነበራ።
13 ጊዴዎን ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ሕልሙ ይነግሮ ይብሎውን ነበረ፡ እነሆ፡ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጐጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ፡ ናብ ድንኳን መጺኡ ወቕዖ፡ ንሱ ድማ ወደቐ፡ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ድማ ወደቐ።
14 እቲ ብጻዩ ድማ መሊሱ፡ እዚ ሴፍ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ ናይ እስራኤል ሰብ እዩ እምበር፡ ካልእ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ንሚድያንን ንዅሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ፡ በለ።
15 ኰነ ኸኣ፡ ጊዴዎን ነገር እዚ ሕልሚ እዝን ምፍታሑን ምስ ሰምዔ፡ ሰገደ። ድሕርዚ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ፡ እግዚኣብሄር ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ በለ።
16 ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኵሎም ከኣ መለኸትን ጥራዩ ዳነሱን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳነሱውን ፋናታት ሀቦም።
17 በሎም ድማ፡ ንኣይ ርአዩ፡ ከምኡ ኸኣ ግበሩ። እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ።
18 ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኰይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩምውን ኣብ ዙርያ ዅሉ እቲ ሰፈር ንፍሑ፡ ንእግዚኣብሄርን ንጊዴዎንን ድማ በሉ።
19 ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኡብኡ ዘብዔኛታት ምስ ተለወጡ፡ ጊዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰብኣይን፡ ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዳነሱውን ሰበርዎ።
20 ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዳነሱ ኸኣ ሰበርዎ፡ ብጸጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ብየማነይቲ ኢዶም ከኣ፡ ኪነፍሑ፡ መለኸት ሐዙ፡ ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን፡ ኢሎም ድማ ጨደሩ።
21 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቈሙ። ሽዑ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ጐየየ፡ ጨርሑን ሀደሙን ከኣ።
22 ነቲ ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ድማ ነፍሑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩን ናብ ብዘሎ እቲ ሰራዊትን ገበሮ። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤት-ሺጣ፡ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል-መሖላ ዘላ ጣባት ሀደመ።
23 ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተአከቡ እሞ ንሚድያናውያን ስዒቦም ሰጐጕዎም።
24 ጊዴዎን ድማ፡ ንሚድያን ክትቃባበልዎም ውረዱ፡ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ድማ ሐዙሎም፡ ኢሉ ናብ ብዘሎ ኸረን ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ። ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተአኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሐዝዎ።
25 ንኽልቲኦም ሹማምቲ ሚድያን፡ ዖሬብን ዝኤብን፡ ማረኽዎም እሞ፡ ንዖሬብ ኣብ ከውሒ ዖሬብ ቀተልዎ፡ ንዝኤብውን ኣብ መጽመቚ ወይኒ ዝኤብ ቀተልዎ፡ ንሚድያናውያን ከኣ ሰጐጕዎም። ርእሲ ዖሬብን ዝኤብን ግና ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ጊዴዎን ኣምጽእዎ።

 

1 ሰብ ኤፍሬም ድማ፡ እቲ ምስ ሚድያን ክትዋጋእ ክትከይድ ከሎኻ ዘይጸዋዕካና፡ እዚ ዝገበርካናስ እንታይ ነገር እዩ፧ በልዎ። ብሓይሊ ኸኣ ተኻራኸርዎ።
2 ንሱ ድማ፡ ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ገይረ እየ፧ ካብ ምቚራጽ ወይኒ ኣቢዔዘርስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይበልጽን፡
3 ኣምላኽ ነቶም ሹማምቲ ሚድያን ዖሬብን ዝኤብን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ። ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከአልኩ፧ ሽዑ እዚ ዘረባዚ ምስ ተዛረበ፡ ዅራኦም ሀድኤ።
4 ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጸ እሞ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ስለስተ ሚእቲ ሰብኣይን ተሳገሩ፡ ደኺሞም ከለዉ እኳ ይሰጉ ነበሩ።
5 ንሰብ ሱኮት ከኣ፡ ኣነ ደድሕሪ ዜባሕን ጻልሙናን፡ ነገስታት ሚድያን፡ እሰጕግ ኣሎኹ፡ እዞም ዚስዕቡኒ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፡ በጃኹም እንጌራ ሀብዎም፡ በሎም።
6 እቶም ሹማምቲ ሱኮት ግና፡ ንሰራዊትካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧ በሉ።
7 ጊዴዎን ከኣ፡ ግዲ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ንዜባሕን ጻልሙናን ኣብ ኢደይ ምስ ሀበኒ፡ ንስጋኹም ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክዘብጠኩም እየ፡ በለ።
8 ካብኡ ናብ ፋኑኤል ደይቡ ኸኣ ንኣታቶም ከምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ፋኑኤል ድማ ከምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ።
9 ንሰብ ፋኑኤል ከኣ፡ ብሰላም ምስ ተመለስኩ፡ ነዚ ግምቢ እዚ ኸፍርሶ እየ፡ በሎም።
10 ዜባሕን ጻልሙናን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካብ ብዘሎ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝተረፈ ሰራዊቶም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ ሽሕ ዚኸውን ሰብ ኣብ ቃርቆር ነበሩ፡ እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ነበሩ።
11 ጊዴዎን ድማ ብመገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ዚነብሩ ደዪቡ፡ ነቲ ኣብ ሰፈር ሀዲኡ ዘሎ ሰራዊት ወቕዖ።
12 ዜባሕን ጻልሙናን ድማ ሀደሙ፡ ንሱ ግና ስዒቡ ሰጐጎም፡ ንኽልቲኦም ነገስታት ሚድያን፡ ንዜባሕን ጻልሙናን ማረኾም፡ ንብዘሎ ሰራዊትውን አሸበሮ።
13 ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ካብ ውግእ፡ ካብ ዓቐበት ሔረስ ተመልሰ።
14 ካብ ሰብ ሱኮት ሓደ መንእሰይ ሒዙ ሐተቶ፡ ንሱ ኸኣ ናይ ሱኮት ሹማምትን ዓበይትን ሰብዓን ሾብዓተን ሰብ ጸሐፈሉ።
15 ናብ ሰብ ሱኮት መጺኡ ድማ፡ ነቶም ድኹማት ሰብካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧ ኢልኩም ዘባጮኹምለይሲ፡ ዜባሕን ጻልሙናን እነዉ፡ በሎም።
16 ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ፡ እሾኹ በረኻን ዳንዴርን ድማ ወሲዱ፡ ንሰብ ሱኮት ብእኡ ቐጽዖም።
17 ንግምቢ ፋኑኤልውን ኣፍረሶ፡ ንሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ቀተሎም።
18 ንዜባሕን ንጻልሙናን ድማ፡ እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎ ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ከማኻ ዝበሉ እዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ውቃቤኦም ደቂ ንጉስ ይመስሉ፡ ኢሎም መለሱሉ።
19 ንሱ ኸኣ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቂ እኖይ እምበር እዮም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ብህይወት እንተ ትሐድግዎምሲ ኣይምቐተልኩኹምን፡ በለ።
20 ንየተር በዅሪ ወዱ፡ ተንሲእካ ቕተሎም፡ በሎ። እቲ ወዱ ግና፡ ንእሽቶ ነበረ እሞ፡ ፈሪሁ ሴፉ ኣይመሰተን።
21 ሽዑ ዜባሕን ጻልሙናን፡ ሰብ ከምቲ ዘለዎ ሓይሉ ድማ ከምኡ እዩ እሞ፡ ንስኻ ግዳ ተንሲእካ ውደቐና፡ በሉ። ጊዴዎን ከኣ ተንሲኡ ንዜባሕን ንጻልሙናን ቀተሎም፡ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከኣ ወሰደ።
22 ሽዑ ሰብ እስራኤል ንጊዴዎን፡ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሒንካና ኢኻ እሞ፡ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና፡ በልዎ።
23 ጊዴዎን ከኣ፡ ኣነስ ኣይገዝኣኩምን፡ ወደይውን ኣይገዝኣኩምን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኩም፡ በሎም።
24 ጊዴዎን ድማ፡ ካባኻትኩም ግዳ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ሀቡኒ፡ በሎም። – ንሳቶም እስማኤላውያን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ ቐላብቲ ወርቂ ነበሮም -።
25 ንሳቶም ከኣ፡ ተሐጒስና ንህበካ፡ በሉ። ክዳን ድማ ዘርግሑ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ናብኡ ደርበየ።
26 ብጀካ እቲ ኣብ ነገስታት ሚድያን ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፡ ብጀካ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ደቋታት፡ እቲ ዝመለኖ ቐላብቲ ወርቂ ሚዛኑ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሲቃል ወርቂ ዀነ።
27 ጊዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፡ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዖፍራ ኣንበሮ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ደድሕሪኡ ኣብኡ ዘመወ። እዚ ኸኣ ንጊዴዎንን ንቤቱን መፈንጠራ ዀነ።
28 ሚድያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ርእሶም ኣየልዐሉን። እታ ሃገር ድማ ብዘበን ጊዴዎን ኣርብዓ ዓመት ዐረፈት።
29 የሩብ-በዓል ወዲ ዮኣስ ከኣ ከይዱ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ።
30 ጊዴዎን ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፡ ካብ ሕቜኡ ዝወጹ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ።
31 እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትሉ፡ ስሙ ኸኣ ኣቢሜሌክ ኣውጽኣሉ።
32 ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ብጽቡቕ እርግና ሞተ፡ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ዮኣስ ከኣ ተቐብረ።
33 ኰነ ድማ፡ ጊዴዎን ምስ ሞተ፡ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ዘመዉ፡ ንበዓል-በሪት ኣምላኾም ገበርዎ።
34 ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ዘድሐኖም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን።
35 ንቤት የሩብ-በዓል፡ ማለት ጊዴዎን፡ ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገርሲ፡ ገለ ሞያ እኳ ኣይገበሩሉን።

 

1 ኣቢሜሌክ ወዲ የሩብ-በዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ እሞ፡ ንኣታቶምን ንዅሎም ዓሌት ቤት ኣቦ ኣዲኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2 በጃኹም ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኵሎም ደቂ የሩብ-በዓል ኪገዝኡኹምዶ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ኪገዝኣኩም፡ ኣየናይ ይሔሸኩም፧ ኣነ ኸኣ ዓጽምኹምን ስጋኹምን ከም ዝዀንኩ ዘክሩ፡ በልዎም።
3 እቶም ኣኮታቱ ኸኣ እዚ ነገርዚ ዅሉ ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም ተዛረቡሉ። ንሱ ሓውና እዩ ኢሎም ድማ፡ ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ዘንበለ።
4 ካብ ቤት በዓል-በሪት ድማ ሰብዓ ሲቃል ብሩር ሀብዎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ደድሕሪኡ ዚስዕቡ ከንቱነታት ቀለልቲ ሰባት ተዋዓዐለ።
5 ናብ ቤት ኣቦኡ ኣብ ዖፍራ መጺኡ ነሕዋቱ፡ እቶም ደቂ የሩብ-በዓል፡ ሰብዓ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተሎም። ዮታም እቲ ንእሽቶ ወዲ የሩብ-በዓል ግና፡ ተሐቢኡ ነበረ እሞ፡ ተረፈ።
6 ዅሎም ሰብ ሴኬምን ብዘላ ቤት ሚሎን ተአከቡ፡ ከይዶም ከኣ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓወልቲ ኣንገስዎ።
7 ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም፡ ኣቱም ሰብ ሴኬም፡ ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ።
8 ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ እሞ፡ ነውልዕ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።
9 እቲ ኣውልዕ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም።
10 ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፡ ንስኻ ንዓ እሞ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።
11 እቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም።
12 እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።
13 እቲ ወይኒ ኸኣ፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም።
14 ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።
15 እቲ እሾዅ ድማ፡ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ፡ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ፡ እንተ ዘይኰነስ ድማ፡ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ፡ በሎም።
16 ሕጂ ኸኣ ንኣቢሜሌክ ብምንጋስኩምሲ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ጌርኩምዎ፡ ንየሩብ-ብዓልን ንቤቱን ድማ ጽቡቕ እንተ ጌርኩም፡ ከም ግብሪ ኢዱ ከኣ እንተ ጌርኩምሉ፡
17 ኣቦይሲ ምእንታኹም ተዋግኤ፡ ነፍሱ ኣሕሊፉ ሂቡ ድማ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሐነኩም።
18 ንስኻትኩም ግና ሎሚ ናብ ቤት ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምሲ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱ፡ ሓውኹም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ።
19 እምበኣርሲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሩብ-በዓልን ንቤቱን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም እንተ ዄንኩም፡ ብኣቢሜሌክ ተሐጐሱ፡ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሐጐስ።
20 እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከኣ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ።
21 ዮታም ድማ ካብ ቅድሚ ሓዉ ኣቢሜሌክ ጐይዩ ሀዲሙ ናብ ብኤር ከደ፡ ኣብአ ኸኣ ተቐመጠ።
22 ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝኤ።
23 ኣምላኽ ከኣ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ሕሱም መንፈስ ሰደደ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ዐለውዎ።
24 እዚ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ የሩብ-በዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኺፍደ፡ ደሞም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ኢዱ ዘጽንዑሉ ሰብ ሴኬምን ምእንቲ ኪኸውን እዩ።
25 እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድብቕ ኣንበሩሉ፡ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ብእኡ ዚሐልፉ ሰብ መገዲ ይኸትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።
26 ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ድማ መጺኦም ናብ ሴኬም አተዉ፡ ሰብ ሴኬም ከኣ ብእኡ ተአመኑ።
27 ናብ ግርሁ ድማ ወፈሩ፡ ወይኖም ቈሪጾም ከኣ ጾመቑ፡ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም አትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፡ ንኣቢሜሌክውን ረገምዎ።
28 ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ሴኬምከ መን እዩ፧ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብ-በዓል ደይኰነን፧ ንስኻትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደአ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዝኦ፧
29 እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዚኸውን መን ምሀበ፡ ንኣቢሜሌክ ምሰጐጕክዎ ነይረ። ንኣቢሜሌክ ከኣ፡ ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ ውጻእ፡ በሎ።
30 ዜቡል፡ ሹም እታ ኸተማ፡ ዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዔ፡ ኵራኡ ነደደ።
31 ናብ ኣቢሜሌክ ከኣ ብተንኰል ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን እንሆ፡ ናብ ሴኬም አትዮም፡ ነዛ ኸተማ ናባኻ የተንስኡልካ ኣለዉ።
32 ሕጂ ኸኣ፡ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተንሲእካ፡ ኣብ መሮር ተደበቕ።
33 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ውደቃ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ ወጹኻ፡ ሽዑ ኢድካ ኸም ዝረኸበቶ ግበሮም።
34 ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ዀይኖም ኣብ ሴኬም ተደበቑ።
35 ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ ወጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፡ ኣቢሜሌክ ከኣ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ምድባቑ ተንስኤ።
36 ጋዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ንዜቡል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ ኣሎ፡ በሎ። ዜቡል ከኣ፡ ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዚርአየካ ዘሎ ጽላሎት ኣኽራን እዩ፡ በሎ።
37 ጋዓል ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ካብ ማእከል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርድ ኣሎ፡ ሓደ ጭፍራ ኸኣ ብመገዲ ድዋ ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ ተዛረበ።
38 ሽዑ ዜቡል፡ እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ዝበልካዮ፡ ሕጂ ደኣ ኣፍካ ኣበይ ኣሎ፧ እዚ እቲ ዝነዐቕካዮ ህዝብዶ ኣይኰነን፧ እምበኣር ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮ፡ በሎ።
39 ጋዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግኤ።
40 ኣቢሜሌክ ግና ሰጐጎ እሞ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ፡ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ።
41 ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፡ ዜቡል ከኣ ንጋዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ሰጐጎም።
42 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እቲ ህዝቢ ናብ ግርሁ ወጸ፡ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።
43 ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ኣብ መሮር ከኣ ድብቕ ኣንበረ። እንሆ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኺወጽእ ምስ ረአየ፡ ተንስኦም ቀተሎም ድማ።
44 ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ጭፍራ ኸኣ ጐይዮም ነቶም ኣብ ግርሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም።
45 ኣቢሜሌክ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣ ነታ ኸተማ ተዋግኣ፡ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸኣ ጨው ዘርአላ።
46 እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ዅሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ዕርዲ ቤት ኤል-በሪት ኣተዉ።
47 ኵሎም ሰብ ግምቢ ሴኬም ከም እተአከቡ፡ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።
48 ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ማሕጸ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረጸ፡ ኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ገበሮ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ፡ በሎም።
49 ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ከምኡ ጨጨንፈሩ ቘረጸ፡ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ናብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፡ ነቲ ዕርዱ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንደድዎ። ኵሎም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ኣስታት ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ሞቱ።
50 ኣቢሜሌክ ድማ ናብ ቴቤጽ ከደ እሞ ንቴቤጽ ሰፈራ ሓዛ ኸኣ።
51 ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ድማ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፡ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ ናብኡ ሀደሙ፡ ኣብ ውሽጡውን ተዐጽዉ፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ኸኣ ደየቡ።
52 ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ተዋግኦ፡ ብሓዊ ኼንድዶ ኸኣ፡ ናብ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ።
53 ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ሰንዲዳ፡ ቀረቀራኡ ጨፍለቐቶ።
54 ሽዑ ነቲ ጐበዝ ጋሻ ዛግሬኡ ቐልጢፉ ጸዊዑ፡ ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፡ ሴፍካ መሲትካ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጐበዝውን ወግኦ፡ ሞተ ኸኣ።
55 እቶም ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ስፍራኡ ኸደ።
56 ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፡ ኣምላኽ ከምኡ ናብኡ መለሰሉ።
57 ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም ወዲ የሩብ-በዓል ከኣ ኣብ ረርእሶም በጽሔ።

1 ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከኣ ቶላ ወዲ ጱኣ፡ ወዲ ዶዶ ካብ ሰብ ይሳኮር፡ ንምድሓን እስራኤል ተንስኤ። ንሱ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ።
2 ንእስራኤል ከኣ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ ሻሚር ከኣ ተቐብረ።
3 ድሕሪኡ ድማ ያኢር ጊልዓዳዊ ተንስኤ፡ ንእስራኤል ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ።
4 ንሱ ሰላሳ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ዝነበሩ፡ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማ ኸኣ ነበራኦም፡ ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ያኢር ይብሀላ ኣለዋ።
5 ያኢር ድማ ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ከኣ ተቐብረ።
6 ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ንኣማልኽቲ ኣራምን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ዓሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣገልገሉ፡ ንእግዚኣብሄር ግና ሐደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን።
7 ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞንን ከኣ ሸጦም።
8 ንሳቶም ከኣ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ሳቐይዎምን ኣጥቅዕዎምን። ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ዚነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ኣጥቅዕዎም።
9 እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ኪዋግኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፡ እስራኤል ኣዝዩ ጸበቦ።
10 ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ንኣምላኽና ሐዲግና ንበዓላት ኣገልጊልና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
11 እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ካብ ግብጻውያንን ካብ ኣሞራውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንንዶ ኣየድሐንኩኹምን፧
12 እቶም ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ጠቕዑኹም፡ ከኣ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ካብ ኣእዳዎም ኣድሐንኩኹም።
13 ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሐዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልገልኩም፡ ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ።
14 ብጊዜ ጸበባኹም ኬድሕኑኹምሲ ናብቶም ዝሐሬኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ።
15 ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዲልና ኢና፡ ሓንትስ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደአ ኸተድሕነና ንልምነካ ኣሎና እምበር፡ ከምቲ ዚሐይሽ ኰይኑ እተራእየካ ዅሉ ግበረና፡ በልዎ።
16 ሽዑ ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ካብ ማእከሎም ደርብዮም ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ። ነፍሱ ኸኣ ብመከራ እስራኤል ተጨነቐት።
17 ደቂ ዓሞን ድማ ብኣውያት ተአኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ፡ ደቂ እስራኤልውን ተአኪቦም ኣብ ሚጽጳ ሰፈሩ።
18 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እቶም ሹማምቲ ጊልዓድ ነንሓድሕዶም፡ ምስ ደቂ ዓሞን ኪዋጋእ ዚጅምር ኣየናይ ሰብኣይ እዩ፧ ንሱ ነቶም ኣብ ጊልዓድ ዚነብሩ ዅሎም ሓለቓ ይኹን፡ ተበሃሀሉ።

1 ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ድማ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡ ሓያል ጅግና ነበረ ጊልዓድ ንይፍታሕ ወለደ።
2 ሰበይቲ ጊልዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ደቂ እታ ሰበይቱ ምስ ዐበዩ ኸኣ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጐጕዎ።
3 ሽዑ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ጦብ ከኣ ተቐመጠ። ናብ ይፍታሕ ድማ ከንቱታት ሰባት ተአከቡ፡ ምስኡ ኸአ ወጹ።
4 ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ኸኣ ኰነ፡ ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ።
5 እቶም ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኬምጽእዎ ኸዱ።
6 ንይፍታሕ ከኣ፡ ንዓ ሐለቓና ኹን እሞ ምስ ደቂ ዓሞን ክንዋጋእ፡ በልዎ።
7 ይፍታሕ ድማ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧ ሕጂ ደኣ እንተ ጸበበኩም ከመይ ናባይ ትመጹ፧ በሎም።
8 እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ምሳና ኼድካ ንደቂ ዓሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ጊልዓድ ሓለቓና ኽትከውን፡ ስለዚ ኢና ሕጂ ናባኻ እተመለስና፡ በልዎ።
9 ይፍታሕ ከኣ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ እንተ መለስኩምኒ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሀበኒ፡ ሽዑ ኣነዶ ሐለቓኹም ክኸውን እየ፧ በሎም።
10 እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ከም ዘረባኻ እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሰማዒ ይኹን፡ በልዎ።
11 ሽዑ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓለቓን ፈራድን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኵሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ።
12 ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን፡ ናባይ መጺእካ ንሃገረይ እትዋግኣስ፡ ምሳይ እንታይ ኣሎካ፧ ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደሉ።
13 እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንልኡኻት ይፍታሕ፡ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንእኣ ብፍቕሪ ይምለሰለይ፡ በሎም።
14 ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን መሊሱ ልኡኻት ሰደደ፡
15 በሎ ኸኣ፡ ይፍታሕ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ዓሞንንሲ ኣይወሰደን።
16 እስራኤልሲ ኻብ ግብጺ ምስ ደየበ፡ ብበረኻ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፡ ናብ ቃዴስ ድማ መጸ።
17 ሽዑ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ሰዲዱ፡ በጃኻ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ በሎ። ንጉስ ኤዶም ግና ሕራይ ኣይበሎን፡ ናብ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ለአኸ፡ ንሱውን ኣይፈተወን እሞ፡ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ።
18 ሽዑ ብበረኻ ኸይዱ፡ ንምድሪ ኤዶምን ንምድሪ ሞኣብን ዞረ፡ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ስግር ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ዶብ ሞኣብ እዩ እሞ፡ ክንየው ዶብ ሞኣብ ኣይሐለፉን።
19 እስራኤል ከኣ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ልኡኻት ሰዲዱ፡ እስራኤል፡ በጃኻ ኽሳዕ እታ ቦታይ ብምድርኻ ኣሕልፈና፡ በሎ።
20 ሲሆን ግና እስራኤል ብዶቡ ኺሐልፍ ኣይአመኖን እሞ፡ ሲሆን ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብ ያሃጽ ሰፈረ፡ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግኤ።
21 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ንሲሆንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ሰዐርዎም ድማ፡ ሽዑ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፡ ንብሃገራ ወረስዋ።
22 ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ካብ በረኻ ኸኣ ክሳዕ ዮርዳኖስ፡ ኵሉ ዶብ ኣሞራውያን ወረሱ።
23 ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጒጕዎም እዩ እሞ፡ ንስኻዶ ኽትወርሶም ኢኻ፧
24 ንስኻስ ከሞሽ ኣምላኽካ ዘውረሰካዶ ኣይትወርስን፧ ከምኡ ድማ ንሕና ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ቅድሜና ዝሰጐጎም ዘበሉ ኽንወርስ ኢና።
25 ሕጂ ኸኣ ካብ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ፧ ንሱ ምስ እስራኤልዶ ተባኢሱ ወይ ምስኦም ተዋጊኡ እዩ፧
26 እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደኣ ስለምንታይ በቲ ዘበን እቲ ዘይወሰድኩምዎ፧
27 ኣነስ ኣይበደልኩኻን፡ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእካ ኽፉእ ትገብረኒ ኣሎኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደአ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ።
28 እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ግና ነቲ ይፍታሕ ዝለኣኸሉ ቓል ኣይሰምዖን።
29 ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ እሞ፡ ብጊልዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ሐለፈ፡ ካብ ሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ከኣ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፈ።
30-31 ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ እየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ።
32 ሽዑ ይፍታሕ ምስ ደቂ ዓሞን ኪዋጋእ ናብኦም ገስገሰ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ።
33 ካብ ዓሮዔር ክሳዕ ሚኒት እትአቱ፡ ዕስራ ኸተማ፡ ክሳዕ ኣቤል-ከራሚም ድማ ብኣዝዩ ብርቱዕ ውግእ ሰዐሮም። ደቂ ዓሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ።
34 ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡ እንሃ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ሓንቲ ንሳ ጥራይ እያ ውሉዱ፡ ብጀካኣ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን።
35 ኰነ ኸኣ፡ ንእኣ ምስ ረአያ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣየ ጓለይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክምለስ ከኣ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ምስቶም ዜናውጹኒ ዄንኪ ሓይለይ ኣድከምክኒ፡ በለ።
36 ንሳ ድማ፡ ኣቦየ፡ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ዓሞን ጸላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣፍካ ኻብ ከፈትካስ፡ ንኣይ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወጸ ግበረኒ፡ በለቶ።
37 ነቦኣ ድማ፡ ካብዚ ኸይደ ናብ ኣኽራን ወሪደ ኣነ ምስተን ብጾተይ ኰይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኽየላ፡ እዚ ነገር እዚ ይገበረለይ፡ በለቶ።
38 ኪዲ ኢሉ፡ ክልተ ወርሒ ትኺድ ሐደጋ። ሽዑ ንሳ ምስ ብጾታ ኸይዳ፡ ኣብ ኣኽራን ኰይና ንድንግልናኣ በኸየትላ።
39 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልኤ፡ ናብ ኣቦኣ ተመልሰት፡ ከምቲ ተማባጺዕዎ ዝነበረ መብጽዓ ገበራ። ንሳ ድማ ሰብኣይ ከይፈለጠት ነበረት። ኣብ እስራኤል ድማ ስርዓት ኰነ።
40 እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።

 

1 ሰብ ኤፍሬም ድማ ተአኪቦም ናብ ሰሜን ሐለፉ። ንይፍታሕ ከኣ፡ እቲ ምስ ደቂ ዓሞን ክትዋጋእ ክትሐልፍ ከሎኻስ፡ ምሳኻ ክንደይድ ንኣና ዘይጸዋዕካና፡ ስለምንታይ ኢኻ፧ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኸነንድዳ ኢና፡ በልዎ።
2 ይፍታሕ ድማ፡ ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ዓሞን ኣብ ብርቱዕ ምጽራር ከሎና፡ ምስ ጸዋዕኩኹም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣየድሐንኩምንን።
3 ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ርኤኹ ድማ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢደይ ገይረያ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፍኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣታቶም ኣብ ኢደይ ሀበኒ። ስለምንታይከ ሎሚ ክትዋግኡኒ ደየብኩም፧ በሎም።
4 ይፍታሕ ድማ ንዅሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኽቲቱ ምስ ኤፍሬም ተዋግኤ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቱም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ሀዲምኩም ኣብ ማእከል ኤፍሬምን ኣብ ማእከል ምናሴን ኢኹም፡ ይብልዎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ንሰብ ኤፍሬም ሰዐርዎም።
5 እቶም ጊልዓዳውያን ድማ ንኤፍሬማውያን መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐዙሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቶም ህዱማት ኤፍሬም፡ ኣሕልፉኒ፡ ምስበሎም፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ድማ፡ ኤፍሬማዊ ዲኻ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋለይን፡ እንተ በለ፡
6 ንሳቶም ድማ፡ እስኪ ሺቦለት በል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣቕኒዑ ምዝራብ ስለዘይከአለ፡ ሲቦለት፡ በለ። ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐረድዎ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ወደቑ።
7 ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሹድሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕርቲ ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ሞተ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ኸተማታት ጊልዓድ ከኣ ተቐብረ።
8 ድሕሪኡ ኸኣ ኢብጻን በዓል ቤት-ልሄም ንእስራኤል ፈረደ።
9 ንሱ ሰላሳ ኣወዳት ነበርዎ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ንግዳም ኣመርዐወ፡ ነወዳቱ ድማ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ካብ ግዳም ኣእተወሎም፡ ንእስራኤል ኸኣ ሾብዓተ ዓመት ፈረደ።
10 ኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ከኣ ተቐብረ።
11 ብድሕሪኡ ኸኣ ኤሎን ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፡ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደ።
12 ኤሎን ዛብሎናዊ ድማ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ተቐብረ።
13 ድሕሪኡ ድማ ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ንእስራኤል ፈረደ።
14 ንሱ ኸኣ ሰብዓ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደኢ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ድማ ሾሞንተ ዓመት ፈረደ።
15 ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ጲርዓቶን፡ ምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሌቃውያን ከኣ ተቐብረ።

1 ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሀቦም።
2 ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ዓሌት ዳን፡ ብዓል ጾርዓ ነበረ። ሰበይቱ ኸኣ መኻን ነበረት እሞ፡ ኣይወለደትን።
3 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ፡ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ።
4 እምበኣር ሕጂ ወይንን ዜስክርን ከይትሰትዪ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተጠንቀቒ።
5 እንሆ ኸኣ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ።
6 ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያ፡ ትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝዀነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን።
7 ግናኸ፡ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወድልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩስ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዪ፡ ርዅስ ዘበለውን ኣይትብልዒ፡ በለኒ ኢላ ተዛረበቶ።
8 ማኖኣ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታይ፡ እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ።
9 ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን።
10 እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጐይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶ።
11 ማኖኣ ኸኣ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዐበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎ።
12 ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ስርዓት እቲ ቘልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ በለ።
13 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትጠንቀቕ።
14 ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይንን ዜስክርን ከኣ ኣይትስተ፡ ርዅስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዝአዘዝክዋ ዅሉ ትሐሉ፡ በሎ።
15 ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ማሕስእ ኣብ ቅድሜኻ ኸነዳልወልካስ፡ በጃኻ ኸነጽንሓካ፡ በሎ።
16 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖኣ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን እየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ፡ በሎ። ማኖኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።
17 ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፧ በሎ።
18 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይከ ስመይ እትሐትት፧ ንሱ መንክር እዩ፡ በሎ።
19 ማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰበይቱን እናረኣዩ ተኣምራት ገበረ።
20 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበ። ማኖኣን ሰበይቱን እዚ ምስ ረአዩ፡ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።
21 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖእን ንሰበይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ።
22 ማኖኣ ድማ ንሰበይቱ፡ ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ።
23 እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ኪቐትለና እንተ ዚደልስ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ዅሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናን፡ በለቶ።
24 እታ ስበይቲ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቈልዓ ድማ ዐበየ፡ እግዚኣብሄርውን ባረኾ።
25 ኣብ መሓነ-ዳን ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ከሎ ድማ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ ጀመረ።

 

1 ሲምሶን ድማ ናብ ቲምናታ ወረደ፡ ኣብ ቲምናታ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ረአየ።
2 ደዪቡ ድማ ነቦኡን ነዲኡን፡ ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ንእኣ ኣመርዕዉኒ፡ ኢሉ ነገሮም።
3 ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ፡ ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ፡ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን፧ በልዎ። ሲምሶን ነቦኡ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ንእኣ ደኣ ኣምጽኣለይ፡ በሎ።
4 ኣቦኡን ኣዲኡን ግና፡ እግዚኣብሄር ካብ ፍልስጥኤማውያን ምኽንያት ይደሊ ነበረ፡ እሞ፡ እዚ ኹሉ ካብኡ ከምዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ።
5 ሽዑ ሲምሶንን ኣቦኡን ኣዲኡን ናብ ቲምናታ ወረዱ፡ ናብቲ ኣብ ቲምናታ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ።
6 መንፈስ እግዚኣብሂር ከኣ ወረዶ፡ ኣብ ኢዱ ገለ እኳ ዜብሉ ኽነሱ፡ ንማሕስእ ከም ዚሰላልዕ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ዀነ ነዲኡ ኣይነገሮምን።
7 ወሪዱ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፡ ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ።
8 ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸኣ ኪወስዳ ተመልሰ፡ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኺርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ፡ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ።
9 በእዳዉ ወሲዱ ከኣ እናበልዔ ኸደ፡ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ድማ ሀቦም፡ በልዑ ኸኣ። ነቲ መዓር ካብ ገረንገረ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን።
10 ኣቦኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፡ እቶም መንእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶንውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ።
11 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ረአይዎ፡ ምስኡ ዚዀኑ ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ።
12 ሲምሶን ከኣ ንኣታቶም፡ ኣነ ግዳ ሕንቅሕንቅሊቶይ ክብለኩም እሞ፡ ንእኡ በዘን ናይ ድግስ ሾብዓተ መዓልቲ ገሊጽኩም እንተ ነገርኩምኒ፡ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክህበኩም እየ።
13 ክትነግሩኒ እንተ ዘይከአልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም፡ በሎም። እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይካ ንገረና እሞ፡ ክንሰምዖ፡ በልዎ።
14 ሽዑ ንሱ፡ ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ሕንቅሕቅሊቶይ ብሰለስተ መዓልቲ እኳ ኺነግርዎ ኣይከአሉን።
15 ኰነ ኸኣ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ንሰበይቲ ሲምሶን፡ ንሰብኣይኪ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኪነግረና፡ ሓባብልዮ፡ እንተ ዘይኰነስ ንኣኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና። ከተንድዩና ዲኹም ዝጸዋዕኩምና፡ ከምኡ ደይኰነን፧ በልዋ።
16 ሽዑ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ዀይና እናበኸየት፡ ጸሊእካኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይፈቶኻንን፡ ንደቂ ህዝበይ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኢልካዮምሲ፡ ንኣይ ከኣ ኣይገለጽካለይን፡ በለቶ። ንሱ ድማ ንእኣ፡ እንሆ፡ ነቦይን ነደይን እኳ ዘይገለጽኩሎምሲ፡ ንኣኺዶ ኽገልጸልኪ እየ፧ በላ።
17 ንሳ ኸኣ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ልዕሊኡ ዀይና በኸየት። ኰነ ኸኣ፡ ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፡ በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ገለጸላ እሞ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ንደቂ ህዝባ ገለጸትሎም።
18 እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት፡ ካብ መዓር ዚጥዕምሲ እንታይ እዩ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይልከ መን እዩ፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ብኣርሔይ እንተ ዘይትሐርሱስ፡ ነዚ ሕንቅሕንቅሊቶየይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም፡ በሎም።
19 መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ መጾ እሞ ናብ ኣስቃሎን ወረደ፡ ካብኦም ከኣ ሰላሳ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንኣታቶም ገፊፉ ድማ፡ ነቶም ሕንቅሕንቅሊቶዩ ዝገለጹሉ እቲ ለውጢ ኽዳውንቲ ሀቦም። ኵራኡ ድማ ነደደ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ኸኣ ደየበ።
20 እታ ሰበይቲ ሲምሶን ነቲ ብፍላይ ፈታዊኡ ዝነበረ ዓርኩ ተዋህበት።

 

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብጊዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ንሰበይቱ ማሕስእ ሒዙ በጽሓ እሞ፡ ናብ ሰበይተይ ኣብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ ኣሎኹ፡ በለ። ኣቦኣ ግና ኪአቱ ኣይፈቐደሉን።
2 ኣቦኣ ኸኣ፡ ፈጺምካ ዝጸላእካያ መሲሉንስ ናብ ዓርክኻ ኣመርዕየያ፡ እምበኣር ኣብ ክንድኣ እታ ኻብኣ እትጽብቕ ንእሽቶ ሓብታ ደኣ ንኣኻ ትኹን፡ በለ።
3 ሲምሶን ከኣ፡ ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ገበርክዎም፡ በደል የብለይን፡ በሎም።
4 ሲምሶን ድማ ከይዱ ሰለስተ ሚእቲ ወኻርያ ሐዘ፡ ፋናታት ወሲዱ ኸኣ፡ ጭራ ምስ ጭራ ኣቋራንዩ ኣብ ማእከል ኣብ መንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ።
5 ነቲ ፋናታት ብሓዊ ኣቃጺሉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዘራእቲ ፍልስጥኤማውያን ፈነወን፡ ቅሚጦን ዘይዕጹድ እኽልን ኣትክልቲ ኣውልዕን ከኣ ነደደ፡
6 ሽዑ ፍልስጥኤማውያን፡ እዚ ዝገበረ መን እዩ፧ በሉ። ሲምሶን፡ ሰብኣይ ጓሉ ነቲ ቲምናታዊ፡ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሀቦ፡ ንሱ እዩ በሉ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦም፡ ንእኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም።
7 ሲምሶን ከኣ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኽፈድየኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሐድጎ፡ በሎም።
8 ኣብ ምሕኵልትን ኣብ ስለፍን ከኣ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖዎ። ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ።
9 ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸኣ ፋሕ በሉ።
10 ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደየብኩም፧ በልዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና፡ በሉ።
11 ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱ፡ ንሲምሶን ከኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዚገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፧ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎም፡ በሎም።
12 ንሳቶም ከኣ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድና፡ በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደኣ ኸይትጐብጡኒ ምሐሉለይ፡ በሎም።
13 ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ከነሕልፈካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ።
14 ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን እልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸ።
15 ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ።
16 ሲምሶን ከኣ ብንምጋጋ ኣድጊ ሓደ ዅምራ፡ ኤረ ኽልተ ዅምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩ፡ በለ።
17 ኰነ ኸኣ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማት-ሌሒ ሰመያ።
18 ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ጸምኤ እሞ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ንስኻ ብኢድ ባርያኻ ሀብካ፡ ሕጂ ኸኣ ብጽምኢ ኽመውት፡ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትውን ክወድቕ እየ፡ በለ።
19 ሽዑ ኣምላኽ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ ሰንጠቓ፡ ካብኣ ድማ ማይ ወጸ። ምስ ሰተየ ድማ መንፈሱ ተመልሰ፡ ሐወየ ኸኣ። ስለዚ ስማ ዔን-ሀቆረ ሰመያ፡ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ ኣላ።
20 ንሱ ድማ ብዘበን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ።

 

1 ሲምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ አተወ።
2 ንሰብ ጋዛ፡ ሲምሶን ናብዚ አትዩ፡ በልዎም። ንሳቶም ድማ ከበብዎ፡ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ምሉእ ለይቲ ድብቕ አንበሩሉ። እንሆ፡ ምስ በርሄ ኽንቀትሎ ኢሎም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ስቕ በሉ።
3 ሲምሶን ከኣ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኡ ነቲ መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ሒዙ መንቈሶ፡ ኣብ መንኵቡ ገይሩ ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ኣደየቦ።
4 ድሕርዚ ኸኣ ኰነ፡ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ።
5 እቶም ሹምማቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ደዪቦም፡ ኣሲርና ኽንመልኮስ ከመይ ጌርና ኸም እንኽእሎ፡ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትርእዪ ሐባብልዮ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ክንህበኪ ኢና፡ በልዋ።
6 ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፡ ክትምለኽሲ ኸመይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ።
7 ሲምሶን ድማ፡ ብሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ።
8 ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን ኣምጽኡሉ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ።
9 ኣብ ሕልፍኝኣ ድቡቓት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ፡ ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ሽዑ ነቲ ምውራንቲ፡ ሓዊ ዘጨነዎ ፈትሊ ኸም ዚምናህ፡ ምንህንህ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈልጠን፡
10 ደሊላ ኸኣ ንሲምሶን፡ እንሆ፡ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ድማ ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ሕጂ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ።
11 ንሱ ድማ፡ ገለ ዕዮ ብዘይ ተዐየሉ ሓድሽ ገመድ ኣጽኒዖም እንተ ኣሰሩኒ፡ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ።
12 ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሲምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። እቶም ድቡቓት ከኣ ኣብቲ ሕልፍኚ ነበሩ። ካብ ቀላጽሙ ድማ ከም ፈትሊ በተኾ።
13 ደሊላ ኸኣ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛረብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደኣ ንገረኒ፡ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፡ በላ።
14 ኣብ ሽኻል ኣሲራቶ ድማ፡ ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ነቲ ሽኻል ማእለማን ነቲ ቕጥንን መንቈሶ።
15 ንሳ ኸኣ፡ ልብኻ ዘይምሳይ ክነሱ ደአ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ እፈትወኪ እየ፡ እትብለኒ ዘሎኻ፧ ሰለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን፡ በለቶ።
16 ኰነ ኸኣ፡ ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።
17 ኵሉ ልቡ ኸኣ ገለጸላ፡ ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚረ ናዝራዊ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ርእሰይ መላጸ ኣይሐለፈን፡ ስለዚ እንተ ተላጼኹ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም ድማ፡ ከም ኵሉ ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ።
18 ደሊላ ድማ ኵሉ ልቡ ኸም ዝገለጸላ፡ ምስ ረአረየት፡ ነቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ ጸውዓቶም፡ ኵሉ ልቡ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ፡ በለቶም። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብኣ ደየቡ።
19 ንሳ ኸኣ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸኣ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ።
20 ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራበረ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝሐደጎ ኣይፈለጠን እሞ፡ ከም ቀዳማይ ግዝያት፡ ፍንሕንሕ ኢለ ኽወጽእ እየ፡ ኢሉ ሐሰበ።
21 እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ።
22 እቲ ጸጒሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቊል ጀመረ።
23 እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኺስውኡን ኪሕጐሱን ተአከቡ፡
24 እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርና ዘጥፍኤን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ።
25 ዀነ ኸኣ፡ ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ ንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎ፡ በሉ። ንሲምሶን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ።
26 ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቘልዓ፡ ነቲ ንቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ ናብኡ ምርሓኒ በሎ።
27 እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኵሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሐቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ።
28 ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ፡ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
29 ሽዑ ሲምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ ሓዞ።
30 ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት፡ በለ። ብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።
31 ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞሞ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ንእስራኣኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ።

 

1 ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።
2 ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉ፡ እናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፡ በላ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ፡ በለቶ።
3 ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። ኣዲኡ ድማ፡ እዚ ብሩርዚ ንወደይ፡ እትጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኺግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ኸኣ ክመልሰልካ እየ፡ በለቶ።
4 ንሱ ኸኣ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላ፡ ኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሀበቶ። ንሱ ኸኣ ንእኡ እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።
5 እቲ ሰብኣይ፡ ሚካ፡ ቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ ኤፎድን ተራፊምን ድማ ገበረ፡ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸኣ ካህኑ ኪኸውን ቀደሶ።
6 በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ገበረ።
7 ኣብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ሓደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ።
8 እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ኪቕመጥ፡ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸደ። መገዱ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ።
9 ሚካ ኸኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሌዋዊ እየ፡ ኣነ ኣብ ዝረኸብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ ኣሎኹ፡ በሎ።
10 ሚካ ኸኣ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ አተወ።
11 እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ኪቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ።
12 ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ካህኑ ዀነ። ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ።
13 ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን ኣሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝገበረለይ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።

1 በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን፡ እቶም ነገድ ዳን ድማ ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ኣይበጽሖምን ነበረ እሞ፡ በቲ ዘበን እቲ ዚነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ።
2 ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፡ ምድሪ ኺስልዩን ኪምርምሩን፡ ካብ ዓሌቶም፡ ካብ ብዘሎ ፍቕዶም፡ ሓሙሽተ ሰብኣይ፡ ሓያላት ሰባት፡ ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ሰዲዶም ድማ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ መርምርዋ፡ በልዎም። ንሳቶም ከኣ ናብ ከረን ኤፍሬም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ፡ ኣብኣውን ሐደሩ።
3 ንሳቶም ኣብ ቤት ሚካ ኸለዉ፡ ድምጺ እቲ መንእሰይ ሌዋዊ ኣለለይዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም፡ መን ናብዚ ኣምጽኣካ፧ ኣብዚኸ ንስኻ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ ኣብዚስ እንታይ ኣሎኳ፧ በልዎ።
4 ንሱ ድማ፡ ሚካ ኸምዝን ከምዝን ገበረለይ፡ ንሱ ኣሕዲሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ካህን ኰንክዎ፡ በሎም።
5 ንሳቶም ድማ፡ እዛ ንሕና እንኸዳ ዘሎና መገዲ እትቐንዓና እንተ ዀይና ኽንፈልጥሲ፡ በጃኻ ንኣምላኽ ጠይቐልና፡ በልዎ።
6 እቲ ኻህን ድማ፡ እዛ እትኸድዋ ዘሎኹም መገዲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያ እሞ፡ ብሰላም ኪዱ፡ በሎም።
7 እቶም ሓሙሽተ ሰብኣይ ከዱ ኣብ ላይሽ ድማ ኣተዉ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ተአሚኑ ኸም ስርዓት ሲዶናውያን ብህድኣትን ብእምነትን ከም ዚቕመጥ ረአየ። ኣብታ ሃገር ከኣ ገለ ኽፉእ ዚገብሮም በዓል ስልጣን ኣይነበረን፡ ንሳቶም ካብ ሲዶናውያን ርሑቓት ነበሩ፡ ምስ ገለ ሰብ እኳ ነገር ኣይነበሮን።
8 ናብ ጾርዓን ኤሽታዖልን ከኣ፡ ናብ ኣሕዋቶም መጹ፡ እቶም ኣሕዋቶም ድማ፡ እንታይ ተውርዩልና፧ በልዎም።
9-10 ንሳቶም ከኣ፡ ነታ ሃገር ርኢናያ ኢና እሞ፡ እንሆ ድማ፡ ብዙሕ ጽብቕቲ እያ፡ ንስኻትኩም ስቕዶ ኢልኩም ኬድኩም፧ ነታ ሃገር ክትአትውዋን ክትወርስዋን ኣይትደንጕዩ። ኣምላኽ ንእኣ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንደይቦም። ናብኣ ምስ በጻሕኩም፡ ናብ ተአሚኑ ዚነብር ህዝቢ ኽትአትዉ ኢኹም። እታ ሃገር ከኣ ኣዝያ ገፋሕ እያ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ነገር ዘይጐድላ ቦታ እያ፡ በልዎም።
11 ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣጽዋር ውግእ ተዐጢቖም ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ነቐሉ።
12 ደዪቦም ከኣ ኣብ ቅርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዚ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትበሀል ኣላ። እንሃ፡ ኣብ ድሕሪ ቅርያት-የዓሪም ኣላ።
13 ካብኣ ንኸረን ኤፍሬም ሐሊፎም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ።
14 ሽዑ እቶም ንሃገር ላይሽ ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ነቶም ኣሕዋቶም፡ ኤፎድን ተራፊምን እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ኣብዘን ኣባይቲ እዚኤን ከም ዘሎስ፡ ትፈልጡዶ ኣሎኹም፧ ሕጂ ድማ እትገብርዎ ፍለጡ፡ ኢሎም መለሱሎም።
15 ናብ ቤት እቲ ኣብ ቤት ሚካ ዚነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ።
16 እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
17 እቶም ነታ ሃገር ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ኻህን ምስቶም ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ደዪቦም ናብኡ ኣትዮም፡ ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ወሰዱ።
18 እዚኣቶም ናብ ቤት ሚካ አትዮም ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፡ እቲ ኻህን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በሎም።
19 ንሳቶም ከኣ፡ ስቕ በል፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ምሳና ኺድ እሞ፡ ኣቦን ካህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡ ወይ ኣብ ሓደ ነገድን ኣብ ሓደ ዓሌትን፡ ኣብ እስራኤል ካህን ምዃን ይሔሸካ፧ በልዎ።
20 ሽዑ ልቢ እቲ ኻህን ተሐጐሰ እሞ፡ ነቲ ኤፌድን ንተራፊምን ነቲ እተጸርበ ምስልን ወሲዱ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኣተወ።
21 ተመሊሶም ድማ ቈልዑን ማልን እቲ ኽቡር ነገርን ቀቅድሚኦም ገይሮም ከዱ።
22 ንሳቶም ካብ ቤት ሚካ ምስ ረሐቑ ከኣ፡ እቶም ጐረባብቲ ቤት ሚካ ዝነበሩ ሰባት ብአውያት ተአኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም።
23 ንደቂ ዳን ድማ ጸውዕዎም። ንሳቶም ከኣ ገጾም መሊሶም ንሚካ፡ ብኣውያት እትእከብ እንታይ ኴንካ ኢኻ፧ በልዎ።
24 ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩም፡ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣሎኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ እትብሉኒ፧ ደጊምከ እንታይ ተሪፉኒ እዩ፧ በሎም።
25 እቶም ደቂ ዳን ከኣ፡ ነፍሶም እተመረረት ሰባት ከይገጥሙልኩም እሞ፡ ንነፍስኻን ንነፍሲ ቤተ ሰብካን ከይተጥፍእሲ፡ ቃልካ ኣባና ኣይሰማዕ፡ በልዎ።
26 እቶም ደቂ ዳን ድማ መገዶም ከዱ። ሚካ ኸኣ ካብኡ ከም ዚሕይሉ ምስ ረአየ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ መጸ።
27 ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮን ነቲ ዝነበሮ ኻህንን ሒዞም፡ ናብቲ ሀዲኡን ተአሚኑን ዝነበረ ህዝቢ፡ ናብ ላይሽ መጹ። ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም፡ ነታ ኸተማ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዋ።
28 ንሳ ኻብ ሲዶን ርሕቕቲ ነበረት፡ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ዝገበርዎ ነገር ኣይነበሮምን እሞ፡ ዜድሕኖም ኣይነበረን። ንሳ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቤት-ሬሖብ ዘሎ ለሰ እያ ዘላ። ነታ ኸተማ ድማ ሰሪሖም ተቐመጥዋ።
29 ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም እቲ ንእስራኤል እተወልደሉ ዳን ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ላይሽ ይበሀል ነበረ።
30 እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ጽሩብ ምስሊ ንርእሶም ኣቘምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር እትማረኸላ መዓልቲ፡ ዮናታን፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ንሱን ደቁን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኰኑ።
31 እታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ሲሎ ኽሳዕ ዘላ ዅሉ ዘበን፡ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ንኣታቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ በቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዘይነበሮ ዘበን፡ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ንኸረን ኤፍሬም ኣብ ወገን ንየው ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ።
2 እታ ሰበይቲ ወሰኑ ኸኣ መንዘረት፡ ካብኡ ናብ ቤት ኣቦኣ ናብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸይዳ ኸኣ፡ ኣብኣ ኣርባዕተ ወርሒ ዚኸውን ጊዜ ተቐመጠት።
3 እቲ ሰብኣያ ድማ፡ ልባ ኣፍትዩ ኺመልሳ፡ ተንሲኡ ደድሕሪኣ ኸደ። ጊልያኡን ክልተ ኣድግን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ንሳ ድማ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ፡ ኣቦ እታ መርዓት ምስ ረአዮ ኸኣ ተሐጒሱ ተቐበሎ።
4 እቲ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ ድማ ግዲ በሎ እሞ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠ። በልዑን ሰተዩን ኣብኡ ኸኣ ሐደሩ።
5 ኰነ ኸኣ፡ በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኪኸይድ ድማ ተላዕለ። ኣቦ እታ መርዓት፡ ንሰብኣይ ጓሉ፡ ቊራስ እንጌራ በሊዕካ ልብኻ ኣጽንዕ እሞ ድሕርቲ ኽትከዱ፡ በሎ።
6 ኮፍ ኢሎም ድማ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ መርዓት ከኣ ነቲ ሰብኣይ፡ በጃኻ ፈቲኻ ሕደር፡ ልብኻውን ይተሐጐስ፡ በሎ።
7 እቲ ሰብኣይ ግና ኪኸይድ ተንስኤ፡ እቲ ሓሙኡ ደኣ ግዲ በሎ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ።
8 ብሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪኸይድ ኣንጊሁ ተንስኤ። ኣቦ እታ መርዓት ከኣ፡ በጃኻ ልብኻ ኣጽንዕ፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚውልውል ጽናሕ፡ በሎ፡ ክልቲኦም ድማ በልዑ።
9 እቲ ሰብኣይ ምስታ ሰበይቲ ወሰኑን እቲ ጊልያኡን ኪኸይድ ምስ ነቐለ፡ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ እንሆ፡ መዓልቲ ኺዓርብ ኢሉ፡ በጃኻ ሕደሩ፡ እንሆ መዓልቲ መስዩ እዩ እሞ ሕደር፡ ልብኻ ይተሐጐስ፡ ጽባሕ ድማ ናብ ቤትካ ኽትከይድሲ ኣንጊህኩም መገድኹም ኪዱ፡ በሎ።
10 እቲ ሰብኣይ ግና ኪሐድር ኣይፈተወን እሞ ተንሲኡ ኸደ፡ ክሳዕ መንጽር ይቡስ መጸ፡ – ንሳ ኸኣ የሩሳሌም እያ -። እተን ጽዑናት ኣእዱግን እታ ሰበይቲ ወሰኑን ድማ ምስኡ ነበራ።
11 ኣብ ይቡስ ምስ በጽሑ፡ ምድሪ ኣዝያ መስያ ነበረት እሞ፡ እቲ ጊልያ ንጐይታኡ፡ በጃኻ ንዓ፡ ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር፡ በሎ።
12 ጐይታኡ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናብ ዜብላ ኸተማ ጓኖት ኣይንኣቱን። ናብ ጊብዓ ደኣ ንሕለፍ፡ በሎ።
13 ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ንዓናይ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኤን ንቕረብ እሞ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ ንሕደር፡ በሎ።
14 ሐሊፎም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ፡ እታ ናይ ብንያም፡ ጸሓይ ዐረበቶም።
15 ኣብ ጊብዓ አትዮም ኪሐድሩ ናብኣ ኣግለሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፡ ኣብ ቤቱ ኼሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።
16 እንሆ ድማ፡ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ምሸት ካብ ዕዮኡ ኻብ መሮር መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ከኣ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ነበረ፡ ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ።
17 ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ነቲ ሓላፍ መገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ከኣ፡ ናበይ እትኸይድ ኢኻ፧ ካበይከ መጺእካ፧ በሎ።
18 ንሱ ድማ፡ ንሕና ኻብ ቤት-ልሄም ይሁዳ፡ ንኸረን ኤፍሬም ናብ ወገን ንየው እንሐልፍ ኢና፡ ኣነ ኻብኡ እየ፡ ናብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ደኣ ኸይደ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እኸይድ ኣሎኹ፡ ኣብ ቤቱ ዜሕድረኒ ሰብ ድማ ስኢነ።
19 ነእዱግና ዚኸውን ሓሰርን ጥረን፡ ንኣይን ነዛ ገረድካን ነዚ ምስ ገላዉኻ ዘሎ ጊልያን እንጌራን ወይንን ኣሎና፡ ዚጐድለና ነገር የልቦን፡ በሎ።
20 እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሀሉኻ፡ ሓንትስ ኣብዚ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበር፡ ዝጐደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ፡ በሎ።
21 ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸኣ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሀበን፡ ኣእጋሮም ተሐጺቦም ከኣ በልዑን ሰተዩን።
22 ንሳቶም ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነቲ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
23 እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ።
24 እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ አብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም።
25 እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይፈተዉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከአ ፈለጥዋ፡ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ድማ ዐመጽዋ። ቀይሔ-ጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ትኺድ ሐደግዋ።
26 ኪወግሕ ምስ ጀመረ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጐይታኣ ዘለዋ ቤት መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።
27 እቲ ጐይታኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ ቤት ከፈተ፡ መገዱ ኪኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲ፡ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት።
28ንሱ ድማ፡ ተንስኢ ንኺድ፡ በላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ።
29ኣብ ቤቱ ምስ አተወ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ።
30ኰነ ድማ፡ እዚ ዝረአየ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኸሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዝመሰለ ዀይኑን ተራእዩን ኣይፈልጥን። ሕሰብዎን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉን፡ በለ።

1 ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወጹ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕን ምድሪ ጊልዓድን ከም ሓደ ሰብኣይ ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ተአከበ።
2 ሓላቑ ዅሉ ህዝብን ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሕ ኣጋር ኣብቲ ማሕበር ህዝቢ ኣምላኽ ቀረቡ።
3 እቶም ደቂ ብንያም ድማ ደቂ እስራኤል ንሚጽጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ድማ፡ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ኸመይ ከም ዝዀነ ንገሩና፡ በሉ።
4 ሽዑ እቲ ሌዋዊ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ እታ እተቐትለት ሰበይቲ፡ ኣነ ምስታ ሰበይቲ ወሰነይ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ክሐድር ኣቶኹ።
5 እቶም ሰብ ጊቦዓ ድማ ተላዕሉኒ፡ ኣብታ ዘሎኽዋ ቤት ብለይቲ ኸበቡኒ፡ ኪቐትሉኒ ኸኣ ሐሰቡ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይውን ዐመጽዋ እሞ ሞተት።
6 ኣነ ኸኣ፡ ኣብ እስራኤል ርኽሰትን ዕብዳንን ስለ ዝገበሩ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይ ወሲደ ቘራረጽክዋ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ ርስቲ እስራኤል ሰደድክዋ።
7 ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኵላትኩም እኔኹም፡ ኣብዚ ተዛራረቡን ምኸሩን፡ ኢሉ መለሰሎም።
8 ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ከም ሓደ ሰብኣይ ኰይኑ ተንሲኡ ኸምዚ በለ፡ ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፡ ሓደ እኳ ናብ ቤቱ ኣይመለስ።
9 ሕጂ ግና ንጊብዓ እንገብራ ነገር እዚ እዩ፡ ዕጭ ኣውዲቕና ንደይባ።
10 ናብ ጊብዓ ብንያም ከይዶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝገበረቶ ዕብዳን ኪገብርዋስ፡ ነቲ ህዝቢ ስንቂ ዚወስዱ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፡ ካብ ሚእትስ ዓሰርተ፡ ካብ ሽሕ ከኣ ሚእቲ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ።
11 ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ከም ሓደ ሰብ ከይኖም ኣብታ ኸተማ ተአከቡ።
12 እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም፡ እዚ ኣባኻትኩም ዝዀነ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ፧
13 ሕጂ ኸኣ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለዉ ደቂ ብልያል ክንቀትሎም ሀቡና፡ ኢሎም ሰባት ለኣኹ። እቶም ደቂ ብንያም ግና ቃል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ኪሰምዑ ኣይፈተዉን።
14 እቶም ደቂ ብንያም ድማ ካብ ከተማታት ናብ ጊብዓ ተአከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ወጹ።
15 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወጹ ደቂ ብንያም፡ ብጃካ እቶም ኣብ ጊብዓ ዚነብሩ፡ ሾብዓተ ሚእቲ እተቘጽሩ ሕሩያት ሰብ፡ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቘጽሩ።
16 ካብ ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ብጸጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ጸጒሪ ዘይስሕቱ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰብ ነበሩ።
17 ሰብኡት እስራኤል ድማ፡ ብጀካ ብንያም፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቘጽሩ። እዚኣቶም ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ።
18 ደቂ እስራኤል ድማ ተንሲኦም ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም፡ ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባናስ መን ቅድም ይድይበልና ኢሎም ንኣምላኽ፧ ሐተትዎ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ይሁዳ ይቐድም፡ በለ።
19 እቶም ደቂ እስራኤል ድማ ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንጽር ጊብዓ ሰፈሩ።
20 ሰብ እስራኤል ከኣ ምስ ብንያም ኪዋግኡ ወጹ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ኪዋግእዎም ኣብ ጥቓ ጊብዓ ተሰለፉ።
21 ደቂ ብንያም ከኣ ካብ ጊብዓ ወጺኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኣኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም።
22 እቶም ህዝቢ፡ ሰብ እስራኤል፡ ድማ በርቲዖም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ።
23 ደቂ እስራኤል ከኣ ደዪቦም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዐሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፡ መሊሰዶ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ውግእ ክገጥም ኢሉ ሐተተ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ደይብዎ፡ በለ።
24 እቶም ደቂ እስራኤል በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ናብ ደቂ ብንያም ቀረቡ።
25 ብንያም ከኣ ካልኣይቲ መዓልቲ ኺቃባበሎም ካብ ጊብዓ ወጸ እሞ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም። እዚኣቶም ኵሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ።
26 ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም በኸዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ጾሙ። ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
27 በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ሐተትዎ።
28 ፊንሃስ፡ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን፡ ከኣ በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ ቅድሚኡ ይቐውም ነበረ እሞ፡ መሊሰዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ክዋጋእ ክወጽእ ወይስ ክሐድጎ፧ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ጽባሕሲ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቡ ደኣ፡ በለ።
29 እስራኤል ከኣ ንጊብዓ ብዙርያኣ ድብቕ ኣንበረላ።
30 በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ኣብ ቅድሚ ጊብዓ ተሰለፉ።
31 እቶም ደቂ ብንያም ድማ ወጺኦም ነቲ ህዝቢ ኺቃባበልዎ ኻብታ ኸተማ ተሳሕቡ፡ ኣብተን ክልተ መገዲ፡ ሓንቲ ንቤት-ኤል ኣቢላ እትድይብ፡ ሓንቲ ድማ ንመሮር ጊብዓ እተብል፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ካብቲ ህብዚ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ሰላሳ ዚዀኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቐትሉን ጀመሩ።
32 እቶም ደቂ ብንያም ድማ፡ ከምቲ መጀመርታ ኣብ ቅድሜና ተሳዕሩ፡ በሉ። ደቂ እስራኤል ግና፡ ካብ ከተማ ናብ መገድታት ክንስሕቦምሲ ንህደም ደኣ፡ በሉ።
33 ኵሎም ሰብ እስራኣኤል ከኣ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ኣብ በዓል-ታማር ተሰለፉ። እቲ ድብቕ እስራኤል ድማ ካብታ ቦታኡ፡ ካብ መዓረህ-ጊብዓ ወጸ።
34 ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሐርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ናብ መንጽር ጊብዓ መጹ፡ እቲ ውግእ ከኣ በርትዔ፡ ደቂ ብንያም ግና ክፉእ ከም ዝበጽሖም ኣይፈለጡን።
35 እግዚኣብሄር ድማ ንብንያም ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዚሰዐር ገበሮ። ደቂ እስራኤል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሚእትን ሰብኣይ ቐተሉ። እዚኣቶም ኵሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ፡
36 ደቂ እስራኤል ከኣ በቲ ኣብ ጊብዓ ዘንበርዎ ድብቕ ስለ እተአመኑ ንደቂ ብንያም ቦታ ሀብዎም እሞ፡ እቶም ደቂ ብንያም ከም እተሳዕሩ ረአዩ።
37 እቶም ድቡቓት ድማ ቀልጢፎም ናብ ጊብዓ ጐየዩ እሞ እቶም ድቡቓት ጥሒሶም ንብዘላ እታ ኸተማ ብስሕለት ሲፍ ወቕዕዋ።
38 ንሰብ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዚለዐል ኪገብሩ ምስቶም እተደበቑ ምልክት ነበሮም።
39 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ውግእ ገጾም መለሱ፡ ብንያም ከኣ፡ ብርግጽ ከምቲ ቐዳማይ ውግእ ኣብ ቅድሜና ተሳዒሮም፡ በሉ እሞ፡ ካብ ሰብ እስራኤል ሰላሳ ዚዀኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቐትሉን ጀመሩ።
40 እቲ ምልክት፡ እቲ ዓንዲ ትኪ፡ ካብታ ኸተማ ኺዐርግ ምስ ጀመረ፡ ብንያም ንድሕሪኡ ግልጽ እንተ በለ፡ እንሆ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብሃልሃልታ ንሰማይ ዐረገት።
41 ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ተመልሱ፡ ሰብ ብንያም ከኣ ክፉእ ከም ዝበጽሖም ረአዩ እሞ ተሸበሩ።
42 ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ እስርኤል ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ፡ እቲ ዅናት ግና እግረ እግሮም ሰዐቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወጹ ድማ ኣማእኪሎም ቀተልዎም።
43 ንብንያም ከቢቦም፡ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ መንጽር ጊብዓ ሰጐጒዎ፡ ኣብ ዚዐርፈላ ዘበለ ረጋገጽዎ።
44 ካብ ብንያም ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብ ወደቑ። እዚኣቶም ኵሎም ከኣ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።
45 ተመሊሶም ድማ ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ። እስራኤላውያን ግና ኣብ መገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ቀረሙ። ክሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ።
46 እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዝወደቑ ዅሎም፡ ሴፍ ዚመልሑ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ኰኑ፡ እዚኣቶም ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።
47 ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ግና ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ፡ ኣብ ከውሒ ሪሞን ከኣ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ።
48 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፡ ንብዘላ እታ ኸተማን ንማል ንዝረኸብዎ ዅሉን ብስሕለት ሴፍ ቀተሉ። ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታት ከኣ ብሓዊ ኣንደድወን።

1 እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ሚጽጳ፡ ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዕዋ፡ ኢሎም ምሒሎም ነበሩ።
2 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤት-ኤል መጹ፡ ኣብኣ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐመጡ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ፡
3 ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ኪጐድልሲ፡ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝዀነ፧ ድማ በሉ።
4 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረጉ።
5 ደቂ እስራኤል ድማ፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ሞት ይሙት፡ ኢሎም ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብ ማሕበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ፧ በሉ።
6 ደቂ እስራኤል ከኣ ብሓዎም ብንያም ተጣዒሶም፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቘሪጹ።
7 ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበረሎም፧ በሉ።
8 ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፧ በሉ። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ያቤሽ-ጊልዓድ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ማሕበር ሓደ እኳ ኣይመጸን።
9 እቲ ህዝቢ ተቘጽረ እሞ እንሆ፡ ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩስ፡ ሓደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን።
10 ሽዑ እቲ ኣኼባ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም፡ ኬድኩም ነቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ ምስናይ ኣንስትን ሕጻናትን ብስሕለት ሴፍ ቅተልዎም።
11 እትገብርዎ ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ንዅሉ ተባዕታይን ኵለን ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ንዚፈልጣ ኣንስተን ቅተሉ፡ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም።
12 ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃሰን ሰብኣይ ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንሳቶም ከኣ ንኣታተን ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን።
13 ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለዉ ደቂ ብንያም ልኢኾም ናይ ሰላም ኣዋጅ ነገርዎም።
14 በታ ጊዜ እቲኣ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ብህይወት ዝሐደግወን ኣንስቲ ኸኣ ሀብዎም፡ ግናኸ ኣይኣኸላኦምን።
15 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ነቓዕ ስለ ዝገበረ፡ ብብንያም ተጣዕሱ።
16 እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጸኒተን እየ እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር፧ በሉ።
17 ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ከይድምሰስሲ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለዉ፡ እቲ ርስቶም ይሐዙ።
18 ደቂ እስራኤል፡ እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉም ይኹን፡ ኢሎም ምሒሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፡ ድማ በሉ።
19 ኣብታ ንቤት-ኤል ብሰሜና፡ ነታ ኻብ ቤት-ኤል ንሴኬም እተደይብ መገዲ ብምብራቕ፡ ንለቦናውን ብደቡባ ዘላ ሺሎ፡ እንሆ፡ በዓል እግዚኣብሄር ኣብ ዐዓመት ይግበር ኣሎ፡ ድማ በሉ።
20 ንደቂ ብንያም ከኣ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተደበቑ።
21 እንሆ ኸኣ፡ እተን ኣዋልድ ሺሎ እናሳዕሳዓ ኺወጻ ምስ ርኤኹም፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ነፍሲ ወከፍኩም ሰበይቱ ይዘርፍ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከኣ ኺዱ።
22 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኪጠርዑ እንተ መጹ፡ ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ኣይወሰድናሉን እሞ፡ ብለውሃት ንኣታተን ሃቡና፡ ሕጂ ድማ በደልቲ ኸይትኾኑ ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሀብኩምዎምን፡ ንብሎም።
23 እቶም ደቂ ብንያም ከምኡ ገበሩ፡ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፡ ከምቲ ቚጽሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከዱ እሞ ናብ ርስቶም ተመልሱ፡ ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣባታተን ተቐመጡ።
24 ደቂ እስራኤል ከኣ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብኡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ናብ ዓሌቱን ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ነናብ ርስቱ ወጸ።
25 በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር ነበረ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...