ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ሳሙኤል ካል 2 (2 Samuel)

ንጉስ ሳኦልን ነብዪ ሳሙኤልን ሞይቶም እዮም ኣምላኽ ግን ንዳዊት ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ቀብኦ ። እቲ ንጎልያድ እተዋግኦን ዝቐተሎን ዳዊት ኣብ እስራኤል ውሩይን ሓያልን ተዋጋኢ እዩ ነይሩ። ዳዊት ንጐይታ ዜገልግልን ንህዝቡ ዚሓልየሎምን ንፉዕ ንጉስ እዩ ነይሩ ። ኣምላኽ ንዳዊትን ንእስራኤላውያንን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ባረኾም ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዝፋኑ ኸም ዚቐውም ብምምብጻዕ ምስ ዳዊት ጽኑዕ ስምምዕ እተገብረሉ ኺዳን ኣተወ

መጽሐፈ ሳሙኤል ካል 2 (2 Samuel)

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ።
2 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸአ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብአይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።
3 ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ።
4 ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም፡ በለ።
5 ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ኸኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ፡ በሎ።
6 እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጊልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ።
7 ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ።
8 ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ፡ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ።
9 ንሱ ኸኣ፡ ገና ህይው ከሎኹ ጨኒቑኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ።
10 ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ።
11 ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበረ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
12 ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ።
13 ዳዊት ድማ ነቲ ዝገበሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ።
14 ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ኸመይ ዘይፈራህካ፡ በሎ።
15 ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ።
16 ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስካ እዩ፡ በሎ።
17 ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም።
18 ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ ኣሎ።
19 ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ።
20 ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡ እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዮ።
21 ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡ ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ከኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን።
22 ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡ ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡ ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን።
23 ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፋለዩን፡ ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።
24 ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ ነቲ ዜሐጒስ ቀይሕ ግምጃ ዘልበሰክን፡ ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡ ንሳኦል ብኸያሉ።
25 እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ። ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ።
26 ዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።
27 እዞም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ። አጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ።

 

1 ኰነ ከኣ፡ ድሕርዚ ዳዊት፡ ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓንቲዶ ኽድይብ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይብ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ናብ ኬብሮን፡ በለ።
2 ሽዑ ዳዊትን ክልቲ ኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቄርሜሎስን፡ ኰይኖም ናብኣ ደየቡ።
3 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ፡ ኣደየቦም፡ ኣብ ከተማታት ኬብሮን ከኣ ተቐመጡ።
4 ሰብ ይሁዳ ድማ መጺኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኺነግስ ኣብኣ ቐብእዎ። ሽዑ፡ ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እዮም፡ ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ።
5 ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ልኡኻት ሰዲዱ በሎም፡ ንጐይታኹም ንሳኦል ብምቕባርኩም እዚ ምሕረት እዚ ስለ ዝገበርኩምሉ፡ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም።
6 ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ምሕረትን እምነትን ይግበር። ኣነ ድማ ስለ እዚ ዝገበርኩምዎ ነገር ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ።
7 ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ግናኸ ንኣይ ቤት ይሁዳ፡ ንጉሶም ክኸውን፡ ቀቢኦምኒ እዮም፡ እምበርአርሲ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ።
8 ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም ኣሳገሮ፡
9 ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።
10 ኢሽ-በሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከኣ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ጥራይ ደድሕሪ ድዊት ሰዐበት።
11 እቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ዝነገሰሉ ዘበን ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እዩ።
12 ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ድማ ካብ ማሓናዪም ናብ ጊብዖን ወጹ።
13 ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ገላዉ ዳዊትን ከኣ ወጺኦም ኣብ ቀላይ ጊብዖን ንሓድሕዶም ተራኸቡ። እዚኣቶም ነቲ ቐላይ በዚ ሓደ ወገኑ፡ እቲኣቶም ከኣ ነቲ ቐላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።
14 ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ፡ በጃኻ እዞም መንእሰይ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይጻወቱ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ይተንስኡ፡ በለ።
15 ሽዑ ተንሲኦም ብቚጽሪ ናይ ብንያምን ናይ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ዓሰርተው ክልተ ሐለፋ።
16 ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ ሴፍ ኣብ ጐድኒ ብጻዩ ሸኸተ፡ ተተሓሒዞም ከኣ ብሓደ ወደቑ። ስለዚ እታ ቦታ ሔልቃት-ሃጹሪም ተባህለት፡ ንሳ ኣብ ጊብዖን እያ ዘላ።
17 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ ኣዝዩ በርትዔ፡ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ።
18 ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ጽሩያ ዮኣብን ኣቢሻይን ዓሳሄልን ነበሩ። ዓሳኤል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሶስሓ እግሩ ፈኲሽ ነበረ።
19 ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዐበ፡ ደድሕሪ ኣቤር ንምሶኣብ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣየግለሰን።
20 ሽዑ ኣብኔር ገጹ መሊሱ፡ ንስኻ ዓሳሄል ዲኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ።
21 ኣብኔር ድማ፡ ንየማንካ ወይ ንጸጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፡ ንሓደ መንእሰይ ሒዝካስ ኣጽዋሩ ውሰድ፡ በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ኬግልስ ኣይፈተወን።
22 ኣብኔር ድማ ከም ብሓድሽ ንዓሳኤል፡ ካብ ምስዓበይ ኣግልስ፡ ስለምንታይ ናብ ምድሪ ዘጣብቐካ፡ ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገጸይ ናብ ሓውካ ዮኣብ ከልዕል እየ፡ በሎ።
23 ንሱ ግና ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣብኔር ብሓንካሾ ዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፡ እቲ ዂናት ብድሕሪኡ ወጸ፡ ኣብኡ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ኰነ ድማ፡ ናብታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።
24 ዮኣብን ኣቢሻይን ግና ንኣብኔር ሰጐጒዎ። ኣብታ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን፡ ኣብ መንጽር ጊያሕ ዘላ ዂርባ ኣማ ምስ በጽሑ፡ ጸሓይ ዐረበት።
25 ደቂ ብንያም ከኣ ደድሕሪ ኣብኔር ተአኪቦም፡ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዂርባ ደው በሉ።
26 ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ ጸዊዑ፡ ኣታ፡ ሴፍዶ ንሓዋሩ ኺውሕጥ እዩ፡ ንዳሕራዩ መሪር ከም ዚኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ፡ ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስጓጒ ኣሕዋቶም ኪምለሱ ዘይትእዝዝከ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፡ በሎ።
27 ዮኣብ ከኣ፡ ህያው ኣምላኽ እዩ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ምስጓጒ ሓዉ ቕድሚ ጽባሕ ንግሆ ኣይምተመልሰን፡ በለ።
28 ሽዑ ዮኣብ መለኸት ነፍሔ፡ ኲሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ፡ ድሕርዚ ኸኣ ንእስራኤል ኣይሰጐጐን፡ መሊሶምውን ኣይተዋግኡን።
29 ኣብኔርን እቶም ሰቡን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብመልኣ ብጐልጐል ክይድ ሓዲሮም ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ንብዘላ ቢትሮን ሐሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ።
30 ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስጓጒ ተመልሰ፡ ንዂሉ ህዝቢ ምስ ኣከቦ ድማ፡ ክብ ገላዉ ዳዊት ዓሰርተው ትሽዓተ ሰብኣይን ዓሳሄልን ጐደሉ።
31 እቶም ገላዉ ዳዊት ግና ካብ ብንያምን ካብ ናይ ኣብኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ።
32 ንዓሳሄል ከኣ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤት-ልሄም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሓዲሮም፡ ኣብ ኬብሮን ወግሓሎም።

 

1 እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ነዊሕ ኰነ። ዳዊት ከኣ እናበርትዔ ኸደ፡ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት።
2 ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ በዂሩ ኸኣ ካብ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን እዩ።
3 እቲ ኻልኣዩውን ካብ ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስ፡ እተወልደ ኪልኣብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣቤሴሎም፡ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ፡ ንጉስ ጌሹር፡ እዩ።
4 እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት እዩ። እቲ ሓምሳይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ።
5 እቲ ሳድሳይ ድማ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ።
6 ኰነ ድማ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ከሎ፡ ኣብኔር ኣብ ቤት ሳኦል ሰልጢኑ ነበረ።
7 ሳኦል ከኣ ርጽጳ ዝስማ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽ-ቦሸት ድማ ንኣብኔር፡ ስለምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝአቶኻ፡ በሎ።
8 ሽዑ ኣብኔር በቲ ዘረባ ኢሽ-ቦሸት ኣዝዩ ተናዲዱ በለ፡ ኣነስ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ ድየ፡ ሎሚ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን ምሕረት እገብር ኣሎኹ፡ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሀብኩኻን፡ ንስካ ግና ሊሚ ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ በደል ቈጸርካለይ።
9-10 ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሐለሉ፡ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሐልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ከም ዚቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ።
11 ሽዑ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ እኳ ኺዛረቦ ኣይከአለን።
12 ሽዑ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡካት ሰዲዱ፡ እዛ ሃገር ንመን እያ፡ በለ። ኪዳንካ ግዳ እተወለይ፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዘለዉ እስራኣኤል ናባኻ ንምምላስ ኢደይ ምሳኻ እያ፡ ከኣ በለ።
13 ንሱ ድማ፡ ጽቡቕ፡ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እአቱ፡ ሃደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣሎኹ፡ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ቅድም ንሚካል ጓል ሳኦል እንተ ዘየምጻእካ፡ ገጸይ ኣይትርእን ኢኻ፡ በለ።
14 ዳዊት ድማ ናብ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ብሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን ዘሕጼኽዋ ሰበይተይ ሚካል ምለሰለይ፡ በሎ።
15 ኢሽ-ቦሸት ከኣ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል ወዲ ላዪሽ፡ ወሰዳ።
16 እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ኪኸይድ ከሎ እናበኸየ ኽሳዕ ባሑሪም ሰዐባ። ሽዑ ኣብኔር፡ ኪድ፡ ተመለስ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ተመልሰ።
17 ኣብኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል፡ ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኪኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም።
18 እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት፡ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ፡ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ እምበኣር ሕጂ ግበርዎ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
19 ኣብ እዝኒ ብንያምውን ኣብኔር ተዛረበ። ኣብኔር ድማ እቲ ንእስራኤልን ንብዘላ ቤት ብንያምን ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮም ኲሉ ኣብ እዝኒ ዳዊት ኪዛረብ ናብ ኬብሮን ከደ።
20 ኣብኔር ምስኡ ኸኣ ዕስራ ሰብ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጹ። ዳዊት ድማ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብን ምሳሕ ገበረሎም።
21 ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺአትዉስ፡ ንዂሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፡ ተንሲኤ ክኸይድ፡ ሽዑ ኸምቲ ነፍስካ ዝደለየቶ ዂሉ ጌርካ ትነግስ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ብሰላም ድማ ኸደ።
22 እንሆ ኸኣ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ካብ ወራር መጹ፡ ምሰታቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ አእተዉ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን።
23 ዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ሰራዊትን ምስ አተዉ ኸኣ፡ ኣብኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፡ ንሱ ኸኣ ኣፋንይዎስ፡ ብሰላም ከይዱ፡ ኢሎም ንዮኣብ ነገርዎ።
24 ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካዮ፡ እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ፈጺሙ ኪኸይድ ዝሐደግካዮ፡
25 ኣብኔር ወዲ ኔር ባዕልኻዶ ትፈልጦ ኣይኰንካን፡ ንሱ ኼዐሽወካን ምውጻእካን ምእታውካን ድማ ኪፈልጥን፡ ንስካ እትገብሮ ዅሉውን ኪፈልጥ ከም ዝመጸ፡ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ።
26 ዮኣብ ካብ ዳዊት ምስ ወጸ ድማ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ሰደደ፡ ካብ ሓጽቢ ሲራ ኸኣ መለስዎ። ዳዊት ግና ኣይፈለጠን።
27 ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ዮኣብ ኣብ በይኑ ኺዛረቦ ኢሉ ናብ ማእከል ደገ ኣግለሶ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ደም ሓዉ ዓሳሄል ከብዱ ወግኦ፡ ሞተ ኸኣ።
28 ድሕርዚ ኸኣ ዳዊት እዚ ሰምዔ እሞ፡ ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ንጹሃን ኢና።
29 እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፡ ኣብ ቤት ዮኣብ ድማ ጀጋል ወይ ለምጻም ወይ ምርኩስ ዚምርኰስ ወይ ብሴፍ ዚወድቕ ወይ እንጌራ ዚጐድሎ ኣየቛርጽ፡ በለ።
30 ኣብኔር ንሓዎም ዓሳሄል ኣብ ጊብዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡ ዮኣብን ኣቢሳይ ሓዉን ከኣ ንኣብኔር ቀተልዎ።
31 ዳዊት ድማ ንዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን፡ ክዳውንትኹም ቅደዱ፡ ከሊውን ተኸደኑ፡ ቀቅድሚ ኣብኔር ከኣ ብኸዩ፡ በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።
32 ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፡ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ድምጹ ዓው ኣቢሉ በኸየ፡ ኲሎም ህዝቢውን በኸዮ።
33 ንጉስ ድማ ንኣብኔር፡ ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰሉ፡ ኣብኔርውንንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት፡
34 ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡ ኣእጋርካውን ብመቚሕ ኣይተቓቐራን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ ዚወድቕ ወደቕኻ። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ በኸዩሉ።
35 እቶም ህዝቢ ዂሎም ከኣ ንዳዊት ገና መዓልቲ ኸሎ እንጌራ ኼብልዕዎ መጹ፡ ዳዊት ግና፡ ጸሓይ ከይዐረበት እንጌራ ዀነ ወይ ዝዀነ ዂሉ እንተ ጠዐምኩ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይድገመኒ፡ ኢሉ መሐለ።
36 ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ዂሉ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም።
37 እቲ ምቕታል ኣብኔር ወዲ ኔር ካብ ንጉስ ከም ዘይኰነ፡ ብዘሎ እቲ ህዝብን ብዘሎ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።
38 ንጉስ ድማ ነቶም ገላዉኡ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡
39 ኣነ ኸኣ፡ ምንም እኳ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኩ፡ ድኹም እየ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ደቂ ጽሩያ ድማ በርቲዖምኒ እዮም። ነቲ ኽፉእ ዚገብርሲ፡ እግዚኣብሄር ደአ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ፡ በሎም።

1 ወዲ ሳኦል ድማ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣእዳዉ ዘርጋሕ በለ፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ሰምበዱ።
2 ንወዲ ሳኦል ድማ ክልተ ሰብ፡ ሓላቑ ሰራዊት ነበርዎ፡ ስም እቲ ሓደ ባዓና፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ካብ ደቂ ብንያም እዮም። ብኤሮትሲ ናብ ብንያም እያ እትቚጸር።
3 እቶም ብኤሮታውያን ናብ ጊታዪም ሀዲሞም ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ስደተኛታት ኰይኖም ኣለዉ።
4 ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ እግሩ እተጐድኤ ወዲ ነበሮ። ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ፡ እታ መጒዚቱ ድማ ሒዛቶ ሀደመት። ኰነ ኸኣ፡ ቀልጢፉ ኽትሀድም ከላ፡ ንሱ ወደቐ እሞ ሓንካስ ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።
5 እቶም ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ከዱ፡ መዓልቲ ምስ ደሀረ ኢሽ-ቦሸት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ።
6 ስርናይ ዚወስዱ መሲሎም ናብ ማእከል ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ። ሽዑ ሬካብን ባዓና ሓዉን ኣምለጡ።
7 ናብ ቤቱ ምስ አተዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወጊኦም ቀተልዎ፡ ርእሱ ቘረጹ። ርእሱ ወሲዶም ድማ ምሉእ ለይቲ ብመገዲ ጐልጐል ከዱ።
8 ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡ፡ ንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽ-ቦሸት፡ ወዲ እቲ ንነፍስኻ ዚደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ፡ እንሆልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉ፡ በልዎ።
9 ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንባዓና ሓዉን፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሐና፡
10 ነቲ ዘበሰረ መሲልዎስ፡ እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ፡ ኢሉ ዝነገረኒ፡ ብስራቱ ንምኽፋል ሒዙ ኣብ ጺቅላግ ቀተልክዎ።
11 ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን፡ ካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ፡
12 ዳዊት ድማ ንገላዉኡ ኣዘዞም፡ ንሳቶም ከኣ ቀተልዎም፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቈራረጽዎም፡ ኣብ ጥቓ ቐላይ ኬብሮን ሰቐልዎም። ርእሲ ኢሽ፦ቦሸት ግና ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።

1 ሽዑ ብዘለዉ ነገዳት እስራኤል ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡ እኔና፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ፡
2 ካብ ቀደም፡ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል እተውጽእን እተእቱን ነበርካ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ፡ በልዎ።
3 ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ኬብሮን መጹ፡ ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን አተወ። ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።
4 ዳዊት ኪነግስ ከሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፡ ኣርብዓ ዓመት ከኣ ነገሰ፡
5 ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርህን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
6 ንጉስን ሰቡን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝንበሩ ይቡሳውያን ኪዋግኡ ኸዱ። ንሳቶም ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትአቱን ኢኻ፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኺሰጉኻ እዮም፡ በልዎ። ማለት ዳዊት ናብዚ ኣይኪአቱን እዩ።
7 ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ።
8 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየቡሳዊ ዝቐተለ ዘበለ ናብቲ መትርብ ማይ ይደይብ እሞ ነቶም ነፍሲ ዳዊት እተጸልኦም ሓንካሳትን ውዕራትን ይቕተሎም በለ። ስለዚ ዕውርን ሓንሳስን ናብ ቤት አይእተዉ፡ ተባህለ።
9 ዳዊት ከኣ ኣብ እምባ ተቐመጠ እሞ ከተማ ዳዊት ኣውጽኣላ። ዳዊት ድማ ካብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።
10 ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምስኡ ነበረ እሞ፡ እናዐበየ ኸደ።
11 ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ጸረብትን ወቐርቲ እምንን ገይሩ ሰደደሉ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት ሀነጹሉ።
12 ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ፡ ነታ መንግስዉውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዐለ።
13 ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደ። ንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።
14 እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡
15 ይብሓርን ኤሊሹዓን ነፈግን ያፊዓን፡
16 ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን።
17 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም ዝቐብእዎ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ።
18 ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ።
19 ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ፡ ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ደይቦም፡ ንፍልስጥኤማውያን ርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ።
20 ዳዊት ድማ፡ ናብ በዓል-ጰራጺም መጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ዳዊት ሰዐሮም፡ ማይ ከም ዚብተን፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ጸላእተይ ካብ ቅድመይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኣላ።
21 ጣኦታቶም ከኣ ኣብኡ ሐደጉ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣልዐልዎም።
22 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ።
23 ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ሐተቶ ድማ፡ ንሱ፡ ኣይትደይቦም፡ ብድሕሪኦም ደአ ዙሮም፡ ብመንጽር እቲ ሳጋሉ ኸኣ እተዎም።
24 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ናይ ዚረግጽ ድምጺ ምስ ሰማዕካ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኦም ቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ቐልጢፍካ ስረር፡ በሎ።
25 ዳዊት ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበር፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ጌብዕ ክሳዕ እታ ንጌዘር እትአትወላ ሰዐሮም።

 

1 ዳዊት ድማ መሊሱ ነቶም ካብ እስራኤል እተሐርዩ ዂሎም ሰላሳ ሽሕ ሰብኣይ ኣከቦም።
2 ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስም፡ ስም እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምላኽ ካብ በዓለ-ይሁዳ ኸደይቦ ኸደ።
3 ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዐልዎ፡ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ።
4 ካብታ ኣብ ኲርባ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረ ቤት ኣቢናዳብ ከኣ ኣልዐልዎ። ኣሕዮ ኸኣ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ።
5 ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ።
6 ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሐዞ።
7 ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ።
8 ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ፡ ጴረጽ-ዑዛ ኢሉ ሰመያ።
9 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ፡ ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ፡ በለ።
10 ስለዚ ኸኣ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም፡ ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ዳዊት ናብኡ፡ ናብ ከተማ ዳዊትሲ፡ ኬግዕዞ ኣይፈተወን።
11 እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም፡ ጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንዖቤድ-ኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ።
12 እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ኹሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ።
13 ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውኤ።
14 ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ።
15 ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ።
16 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።
17 ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምጺኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዕረገ፡
18 ዳዊት ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ባረኾ።
19 ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ንብዘሎ ኣኼብ እስራኤል፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድሕርዚ ኸኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ።
20 ዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት።
21 ዳዊት ከኣ ንሚካል፤ ኣብ ቅድሚ አቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ብዘላ ቤቱን ዝሓረየኒ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መስፍን ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፡ እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝስሐቕ ዘሎኹ።
22 ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ፡ ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሐስር እየ፡ ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክከብር እየ፡ በለ፡
23 ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ውሉድ ኣይነበራን።

 

1 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡
2 እቲ ንጉስ ንነብዪ ናታን፡ ርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ ኣሎ፡ በሎ።
3 ናታን ከኣ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ።
4 ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለ፡
5 ኪድ፡ ንባርያይ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ በሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ፡
6 ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደአ እከይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን።
7 ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ኪጓሲ ንዝአዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ፡
8 ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን፡ ካብ ምጒሳይካ፡ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ።
9 ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስምእቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ገበርኩልካ።
10-11 ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽትኸሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። ኤረ እግዚኣብሄርሲ ይነግረካ ኣሎ።
12 መዓልትታትካ ምስ መልአ፡ ምስ ኣቦታትካ ኸኣ ምስ ደቀስካ፡ ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስካ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ።
13 ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለአለም ከጽንዓሉ እየ።
14 ኣነ ኣቦ ክዀኖ፡ ንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸኣ፡ ብሸበጥ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን ገይረ ኽገርፎ እየ።
15 ግናኸ ከምቲ ነቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘግለስክዎ ሳኦል ዘግለስኩሉ፡ ምሕረተይ ካብኡ ኣየግልስን።
16 ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለአለም ኪጸንዓ እየን፡ ዝፋንካውን ንዘለአለም ኪጸንዕ እዩ።
17 ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታን ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ።
18 ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አተወ ተቐሚጡ ድማ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ፡ ቤተይከ እንታይ እያ፡
19 ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዝስ ሕጊ ሰብዶ እዩ፡
20 ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንባርያኻ ትፈልጦ ኣሎኻ፡ ደጊምከ ዳዊት መሊሱ እንታይ ኢሉ ክዛረበካ እዩ፡
21 ምእንቲ እቲ ዘረባካን ከምቲ ናይ ልብኻን ንባርያኻ ኸተፍልጦስ፡ እዚ ዓብዪ ነገርዚ ገበርካ።
22 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከምቲ ብእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉስ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻውን ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ዓብዪ ኢኻ።
23 ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን ኬድሕኖ፡ ስም ድማ ኪገብረሉ፡ እዚ ዓብዪ ነገር ኪገብረልኩምን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ኣህዛብን ካብ ኣማልኽቶምን ንኣኻ ኪኸውን ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ንምድርኻ ዜፍርህ ነገር ኪገብርን ኢሉ ኣምላኽ ዝኸዶ፡ ኣብ ምድርኻ ኸም ህዝብኻ፡ ከም እስራኤል ዝበለ ኣየናይ ሓደ ህዝቢ ኣሎ፡
24 ንህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለአለም ህዝብኻ ኪኸውን መደብካዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኰንካ።
25 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለአለም ኣጽንዓዮ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸኣ ግበር።
26 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ ብምባሎም ድማ ስምካ ንዘለአለም ይዕበ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜካ ትቑም።
27 ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ፡ ኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ፡ ስለዚ ባርያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባካ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ።
28 ሕጂ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚውን ንባርያካ ኣተስፎኻዮ።
29 ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለአለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለአለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ።

 

1 ድሕርዚ ኸኣ ኰነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዐሮምን ኣጥቅዖምን፡ ልጓም ርእሲ ኸተማኦም ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰዶ።
2 ንሞኣባውያንውን ሰዐሮም፡ ኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ኸኣ ብገመድ ሰፈሮም፡ ክልተ ገመድ ንሞት፡ ገመድ ምሉእ ከኣ ንህይወት ሰፈረ። ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረከት ኣምጽኡሉ።
3 ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝአቱ ኼምልስ ኢሉ ኪኸይድ ከሎ፡ ንሃዳድ-ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጸባ፡ ሰዐሮ።
4 ዳዊት ድማ ካብኡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ፈረሰኛ፡ ዕስራ ሽሕ ከኣ ኣጋራይ ሰብ ወሰደ። ዳዊት ድማ ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉስ፡ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም።
5 እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳድ-ዔዘር ንጉስ ጸባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ፡
6 ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቅ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።
7 ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላዉ ሃዳድ-ዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ።
8 ንጉስ ዳዊት ከኣ ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፡ ከተማታት ሃዳድ-ዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ።
9 ቶዒ ንጉስ ሓማት ድማ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድ-ዔዘር ከም ዝሰዐሮ ምስ ሰምዔ፡
10 ሃዳድ-ዔዘር ምስ ቶዒ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡- ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን፡ ንሃዳድ-ዔዛር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖን፡ ወዱ ዮራም ለአኸሉ። ኣብ ኢዱ ኸኣ ኣቓሑ፡ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ።
11-12 ነዚውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዐሮም ኲሎም ኣህዝብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ-ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡ ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ።
13 ዳዊት ድማ ንሶርያውያን ስዒሩ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ምስ ቀተለ፡ ስም ረኸበ።
14 ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኣብ ብዘላ ኤዶም ሐለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑ። ንዳዊት፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ እግዚኣብሄር ዲል ሀቦ።
15 ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ።
16 ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፡ ይሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሃፍ ዛንታ፡
17 ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ፡
18 በናያ ወዲ ይሆያዳ ድማ ሓለቓ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ካህናት ነበሩ።

 

1 ዳዊት ድማ፡ ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ምህረት ዝገበረሉ ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ፡ በለ።
2 ጺብ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ነበረ፡ ንእኡ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ። ንጉስ ድማ፡ ንስኻ ዲካ ጺባ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ንሱ እዩ በለ፡
3 ንጉስ ድማ፡ ምሕረት ኣምላኽ ክገብረሉስ፡ ካብ ቤት ሳኦልዶ ገለ የልቦን፡ በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣእጋሩ እተጐድኤ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ፡ በሎ።
4 ንጉስ ድማ፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ፡ በሎ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓማኤል፡ ኣብ ሎ-ድባር ኣሎ፡ በሎ።
5 ሽዑ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎ-ድባር ኣምጽኦ።
6 መፊቦሸት ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ናብ ዳዊት መጺኢ፡ ብገጹ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ዳዊት ድማ፡ መፊቦሸት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጊልያኻ፡ በለ።
7 ዳዊት ድማ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢሌ ርግጽ ምሕረት ክገብረልካ እየ፡ ንስኻ ኸኣ ንሓዋሩ ኣብ መአደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በሎ።
8 ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ናብ ከማይ ዝበለ ምውት ከልቢ ገጽካ ኽትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እየ፡ በለ።
9 ሽዑ ንጉስ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ጸዊዑ፡ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ ዂሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣሎኹ።
10 ንስኻን ደቅኻን ግዙኣትካን ድማ፡ ንወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዚብላዕ እንጌራ ኪዀኖስ፡ እቲ መሬት ሐሪስኩም፡ ንእኡ ኣእትወሉ። መፊቦሸት ወዲ ጐይታኻ ግና ንወርትግ ኣብ መአደይ እንጌራ ኺበልዕ እዩ፡ በሎ። ንጺባ ኸኣ ዓሰርተው ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ግዙኣትን ነበርዎ።
11 ጺባ ድማ ንንጉስ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝአዘዞ ዂሉ ጊልያኻ ኸምኡ ኺገብር እዩ፡ በሎ። ንጉስ መሊሱ፡ መፊቦሸትሲ ኸም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ መኣደይ ኪበልዕ እዩ፡ በለ።
12 መፊቦሸት ከኣ፡ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ጺባ ዝነበሩ ዂሎም ድማ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ።
13 መፊቦሸት ከኣ፡ ወርትግ ኣብ መአዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ክልቲኡ እግሩ ሓንካስ ነበረ።

 

1 ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሓኑን ነገሰ።
2 ዳዊት ድማ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ዝገበረለይ፡ ንእኡ ምሕረት ክገብር እየ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ብገላውኡ ገይሩ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ናብ ደቂ ዓሞን ኣተዉ።
3 እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንጐይታኦም ሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ፡ ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኺምርምራን ኪስልያን ኬጥፍኣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፡ በልዎ።
4 ሽዑ ሓኑን ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፈረቓ ጭሕሞም ድማ ላጽዩ፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።
5 እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ኪቕበልዎ ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩምሲ ተመለሱ፡ በሎም።
6 ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ከም እተጸልኡ ምስ ረአዩ፡ እቶም ደቂ ዓሞን ልኢኾም ካብ ናይ ቤት ራሖብ ሶርያውያንን ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን ዕስራ ሽሕ እግረኛ፡ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ፡ ካብ ሰብ ጦብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ተኻረዩ።
7 ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንዮኣስ ነቶም ጀጋኑ ዘበሉ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።
8 ደቂ ዓሞን ከኣ ወጺኦም ኣብቲ ኣፍ ደገ ንውግእ ተሰለፉ፡ እቶም ሶርያውያን ናይ ጾባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።
9 ሽዑ ዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ውግእ ከም ዝዀኖ፡ ምስ ረአየ፡ ካብ ኲሎም ሕሩያት እስራኤል ሐርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።
10 እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሳይ ሓዉ ነበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ኪቃባበል ድማ ኣሰለፎ።
11 በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ግና፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ።
12 ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር።
13 ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ።
14 እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረአዩ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ቅድሚ ኣቢሳይ ሀዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ዮኣብ ካብ ደቂ ዓሞን ተመሊሱ ናብ የሩሳውሌም ኣተወ።
15 ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፡ ብሓደ ተአከቡ።
16 ሃዳድ-ዔዘር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽኦም እሞ፡ ሾባኽ እቲ ናይ ሃዳድ-ዔዘር ሓለቓ ሰራዊት መሪሕዎም ናብ ሔላም መጹ።
17 እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፡ ናብ ሔላም መጸ፡ ሶርያውያን ድማ ንዳዊት ኪቃባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ ኸኣ ተዋግኡ።
18 እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሾብዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛን ቀተለ፡ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊቶም ድማ ቀተሎ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ።
19 እቶም ንሃዳድ-ዔዘር ዚግዝኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፡ ምስ እስራኤል ተዐሪቖም ተገዝኡ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕርዚ ንምርዳእ ደቂ ዓሞን ፈርሁ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ንዓመታኡ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጹሉ ጊዜ፡ ዳዊት ንዮኣብ ምስኡ ኸኣ ንገላዉኡን ንብዘሎ እስራኤልን ሰደዶ። ንደቂ ዓሞን ኣጥፊኦም ድማ ንራባ ከበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።
2 ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምሸት ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ኪማላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕጸብ ከላ፡ ኣብቲ ናሕሲ ዀይኑ ረአያ፡ እታ ሰበይቲ ኸኣ ትርኢታ ብዙሕ ጽቡቕ ነበረ።
3 ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሐተተ፡ እዚኣስ ባትሴባ ጓል ኤሊዓም፡ ሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ደይኰነትን፡ ከኣ በልዎ።
4 ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ኣተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት።
5 እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ ኣነ ጠኒሰ እየ፡ ኢላ ነገረቶ።
6 ሽዑ ዳዊት ናብ ዮኣብ፡ ንኡርያ ሔታዊ ስደደለይ፡ ኢሉ ለአኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ።
7 ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ዳዊት ብዛዕባ ደሓን ዮኣብን ህዝብን እቲ ሰልፍን ሐተተ።
8 ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ናብ ቤትካ ውረድ፡ ኣእጋርካውን ተሐጸብ፡ በሎ። ኡርያ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ወጸ፡ ካብ ብልዒ ንጉስ ከኣ ደድሕሪኡ ሰዐቦ።
9 ኡርያ ግና ምስ ኲሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ ደቀሰ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን።
10 ንዳዊት፡ ኡርያስ ናብ ቤቱ፡ ኣይወረደን፡ ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ ንስኻ ኻብ መገዲ መጺእካ ደይኰንካን፡ ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ፡ በሎ።
11 ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ ታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ጐጆታት ይነብሩ ኣለዉ፡ ጐይታይ ዮኣብን ገላዉ ገይታይን ከኣ ኣብ ጻሕጻሕታ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ፡ ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክአቱ፡ ህያው ከም ዝዀንካ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው ከም ዝዀነት፡ እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ። በሎ።
12 ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ሎሚውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ድማ ክሰደካ እየ፡ በሎ። ኡርያ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ።
13 ዳዊት ምስ ጸውዖ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ በልዔን ሰተየን፡ ኣስከሮውን። ንምሸቱ ድማ ምስቶም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ መደቀሲኡ ኺድቅስ ወጸ፡ ናብ ቤት ግና ኣይወረደን።
14 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ንግሆ ዳዊት ንዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ።
15 ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ንኡርያ ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ እሞ ተወጊኡ ምእንቲ ኺመውትሲ፡ ካብ ድሕሪኡ ተመለሱ፡ ኢሉ ጸሐፈ።
16 ኰነ ድማ፡ ዮኣብ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፡ ንኡርያ ናብታ ጀጋኑ ሰባት ከም ዘለውዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ፡
17 ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ወጺኦም ንዮኣብ ተዋግእዎ። ካብቲ ህዝቢ፡ ካብ ገላዉ ዳዊት ገለ ወደቑ፡ ኡርያ ሔታዊውን ሞተ።
18 ሽዑ ዮኣብ ልኢኹ ብዛዕባ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንዳዊት ነገሮ።
19 ነቲ ልኡኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡
20 ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ንጉስ ኰርዩ እንተ በለካ፡ ስለምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም፡ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርወሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡
21 እቲ ኣብ ቴቤጽ ዝሞተ ኣቢሜለክ ወዲ የሩበሼት መን እዩ ዝቐተሎ፡ ሰበይቲ ደይኰነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ፡ ስለምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም፡ ሽዑ ንስኻ ድማ፡ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ ኸኣ ሞይቱ፡ በሎ።
22 እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ መጺኡ ኸኣ እቲ ዮኣብ ዝለአኾ ዂሉ ንዳዊት ነገሮ።
23 እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ መሮር ወጹ፡ ንሕና ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም።
24 እቶም ወርወርቲ ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርወሩሎም፡ ካብቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞቱ፡ ጊልያኻ ኡርያ፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ሞይቱ፡ በሎ።
25 ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ ንዮኣብ ከምዚ በሎ፡ ሴፍ ሓንሳእ ነዚ ሓንሳእ ከኣ ነቲ እዩ ዚውድእ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኽፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻ፡ ነታ ኸተማ ኣጽኒዕካ ተዋግኣያን ኣፍርሳን። ንስኻውን ኣጽንዓዮ፡ በሎ።
26 ሰበይቲ ኡርያ ኸኣ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ንሰብኣያ በኸየትሉ።
27 ሓዘና ምስ ሐለፈ ድማ፡ ዳዊት ልኡኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸኣ ኰነት፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ። እዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ።

 

1 እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለአኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ አትዩ በሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ።
2 እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ።
3 እቲ ድኻ ግና፡ ብጀካ ዝዐደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያ፡ ምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ብሓደ ዐበየት፡ ካብ ቊራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፡ ኣብ ሕቚፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት።
4 እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በዓል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስ፡ በቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝአተዎ ሰብአይ ኣዳለወሉ።
5 ሽዑ ዂራ ዳዊት ኣብቲ ሰብአይ ኣዝዩ ነደደ፡ ንናታን ከኣ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብአይ ወዲ ሞት ከም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡
6 እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበረን፡ ድንጋጽዉን ስለ ዘይገበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሐስ፡ በሎ።
7 ሽዑ ናታን ንዳዊት በሎ፡ እቲ ሰብአይ እቲ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኩኻ፡ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣድሓንኩኻ።
8 ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻ፡ ኣነስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቚፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሀብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።
9 ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ እተራእየ ኽትገብርሲ፡ ቃሉ ዝነዐቕካ፡ ንኡርያ ሔታዊ ብሴፍ ቀቲልካስ፡ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ። ንእኡ ግና ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ።
10 እምበአርስኸ ስለ ዝነዐቕካኒ፡ ንሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፡ ሴፍ ካብ ቤትካ ንዘለአለም ኣየግልስን።
11 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስአልካ እየ፡ ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንብጻይካ ኽህቦ እየ፡ ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻ፡ ኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚአ ኺድቅስ እዩ።
12 ንስኻ ብስዉር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣነ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ጸሓይን ክገብሮ እየ።
13 ሽዑ ዳዊት ንናታን፡ ንእግዚኣብሄር በደልኩ፡ በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፡ ኣይትመውትን ኢኻ።
14 ግናኸ በዚ ነገር እዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሀብካዮም፡ እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ኪመውት እዩ፡ በሎ።
15 ናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ። ነቲ ሰበይቲ ኡርያ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ ድማ እግዚኣብሄር ወቕዖ እሞ ኣዝዩ ተወጽዔ።
16 ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ዳዊት ከኣ ጾም ጾመ፡ አትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ሐደረ።
17 እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ካብ ምድሪ ኼተንስእዎ ኢሎም ቈሙ። ንሱ ግና ኣይፈተወን፡ እንጌራውን ምሳታቶም ኣይበልዔን።
18 ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ እቲ ሕጻን ሞተ፡ እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ተዛሪብካዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዔስ፡ ከመይ ኢልና ደአ፡ እቲ ሕጻን ሞይቱ፡ ክንብሎ ኢና፡ ገለ ኽፉእ ከይገብር ኢሎም እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሁ።
19 ዳዊት ግና እቶም ገላዉኡ ነሓድሕዶም ሕሹኽሹዂ ኪብሉ ምስ ረአየ፡ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዐለ። ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሞይቱ፡ በሉ።
20 ሽዑ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ተሐጽበን ተለኽየን፡ ክዳውንቱ ድማ ለወጠ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር አትዩ ኸኣ ሰገደ። ናብ ቤቱ መጺኡውን ዚብላዕ ደለየ፡ እንጌራ ድማ ኣቕረቡሉ እሞ በልዔ።
21 ሽዑ እቶም ገላዉኡ፡ እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ምእንታኡ ጾምካን በኼኻን፡ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ተንሲአካ እንጌራ በላዕካ፡ በልዎ።
22 ንሱ ኸኣ፡ መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሐረኒ፡ እቲ ሕጻን ድማ እንተ ሐወየ፡ ኢለ ነበርኩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሕጻን ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኼኹን።
23 ሕጂ ኸኣ ንሱ ሞይቱ፡ ንምንታይ ኢለ እጸውም፡ ደጊምዶ ኸምልሶ ይከአለኒ እዩ፡ ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ፡ በለ።
24 ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ እጸናንዓ፡ ናብኣ ኣትዩ ኸኣ ምስአ ደቀሰ፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ፡ ስሙ ኸኣ ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ።
25 ብነብዪ ናታን ልኢኹ ኸኣ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ ስሙ የዲድያ ሰመዮ።
26 ዮኣብ ድማ ንራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ተዋግኣ፡ ነታ ከተማ ንጉስ ከኣ ወሰዳ።
27 ዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፡ ንራባ ተዋጊኤያ፡ ነታ ኸተማ ማይውን ሒዘያ።
28 ሕጂ ኸኣ፡ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ፡ ስመይ ኣብአ ኸይጽዋዕሲ፡ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኪብካ ነዛ ኸተማ ኽበባ፡ ሓዛ ድማ፡ በሎ።
29 ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ራባ ገስገሰ እሞ፡ ተዋጊኡ ሓዛ።
30 ንዘውዲ ንጉሶም ከኣ ካብ ርእሱ ወሰዶ፡ ሚዛኑ ድማ ሓደ መኽሊት ወርቂ ነበረ፡ ክቡር ኣዕናቚ ከኣ ነበሮ፡ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ገበርዎ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ።
31 ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢውን ኣውጺኡ ኣብ ትሕቲ መጋዛትን ሰረገላታት ሓጺንን ምሳውርቲ ሓጺንን ገበሮም፡ ናብ ናይ ጡብ እቶን ከኣ ኣሕለፎም። ንዂለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ድማ ከማኡ ገበረ። ድሕርዚ ዳዊትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

1 ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ታማር ዝስማ መልክዔኛ ሓብቲ ነበረቶ፡ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ።
2 ንሳ ድንግል ነበረት እሞ፡ ኣምኖን ገለ ኺገብራ ኸም ዘይከአሎ፡ ስለ እተራእዮ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሐምም ሓሳቡ ኣዕገርገሮ።
3 ኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ።
4 ንሱ ድማ፡ አታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዐብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ፡ ኣይትነግረንንዶ፡ በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሴሎም እየ፡ በሎ።
5 ዮናዳብ ድማ በሎ፡ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ኺርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ሓብተይ ታማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ፡ ነቲ ብልዒ ድማ፡ ምእንቲ ኽርእዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፡ ብኢዳ ኸኣ ከተብልዓኒ፡ በሎ።
6 ኣምኖን ድማ ሐሚመ ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ኪርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣምኖን ንንጉስ፡ በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕቻ ኽትገብረለይ፡ ብኢዳ ድማ ክበልዕሲ ትምጻኣኒ፡ በሎ።
7 ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ናብ ታማር ልኡኽ፡ በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኩ ኺዲ እሞ ዚብላዕ ግበርሉ፡ በላ።
8 ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፡ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቚ ወሲዳ ኣቘምጢዓ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ድማ ቅጫታት ገይራ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ።
9 ነቲ መቚሎ ወሲዳ ኸኣ ናብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ።ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ፡ ኲሉ ሰብ ካባይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። ኲሉ ሰብ ከኣ ካብኡ ወጸ።
10 ኣምኖን ድማ ንታማር፡ እቲ ብልዒ ብኢድኪ ኽበልዕሲ፡ ናብ ሕልፍኚ፡ ኣእትውዮ፡ በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፡ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ።
11 ኪበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙ፡ ሓብተይ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ፡ በላ።
12 ንሳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ።
13 ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ።
14 ንሱ ግና ዘረባአ ኺሰምዕ ኣይፈተወን፡ ኻብአ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስአ ድማ ደቀሰ።
15 ድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልአ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልአ ጽልኢ በዝሔ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ፡ ኪዲ፡ በላ።
16 ንዳ ኸኣ፡ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ እዚ ዝገደደ ኽፉእ እዚ ኣይትግበረኒ፡ በለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን።
17 ነቲ ዜገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ በጃኻ፡ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውጽአለይ፡ ድሕሪአ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዕጸዎ፡ በሎ።
18 ኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ፡ ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ሽዑ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽአ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪአ ዐጸዎ።
19 ታማር ድማ ሐመዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ፡ ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ እናአእወየት ከደት።
20 ኣቤሴሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ፡ ሕጂ ግና ሓብተይ፡ ንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮ፡ በላ። ታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተቐመጠት።
21 ንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተናደደ።
22 ኣቤሴሎም ከኣ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሴሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ኣይተዛረቦን።
23 ኰነ ድማ፡ ኣቤሴሎም ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በዓል-ሓጾር ቈረጽቲ ኣባጊዕ ነበርዎ። ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዐደሞም።
24 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምስ ጊልያኻ ይኺዱ፡ በሎ።
25 ንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋልካን ወደይ፡ ከይንኸብደካ ዂላትናስ ኣይንኸይድን ኢና፡ በሎ። ግዲ ኸኣ በሎ። ንሱ ግና መረቖ ደአ እምበር፡ ኪኸይድሲ ኣይፈተወን።
26 ሽዑ ኣቤሴሎም፡ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ፡ በሎ። ንጉስ ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ፡ በሎ።
27 ቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፡ ሽዑ ንኣምኖንን ንዂሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ይኺዱ ሐደጎም።
28 ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሐጐሰ፡ ሽዑ ኣስተብህሉ፡ ኣነ ንአምኖን ቅተልዎ፡ ምስ በልኩኹም ከኣ፡ ኣይትፍርሁ፡ ቅተልዎ፡ ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘሎኹ፡ ጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ፡ በሎም።
29 ገላዉ ኣቤሴሎም ዝአዘዞም ገበርዎ። ሽዑ እቶም ደቂ ንጉስ ኲሎም ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሀደሙ።
30 ኰነ ኸኣ፡ ገና ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ ኣቤሴሎም ንዂሎም ደቂ ንጉስ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ቐቲልዎም፡ ዚብል ወረ መጸ።
31 ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።
32 ዮናዳብ፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ግና ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዝስ ካብታ ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ዝዐመጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ብአፍ ኣቤሴሎም ተመዲቡ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም እቶም ኣጒባዝ ደቂ ንጉስ ከም ዝሞቱስ፡ ጐይታይ ኣይበል።
33 እምበአርሲ ሕጂ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ፡ ነዚ ነገር ኣዚ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፡ በሎ።
34 ኣቤሴሎም ግና ሀደመ። እቲ ዚጥምቶ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቛሕ እንተበለ ድማ፡ እንሆ፡ በታ ብድሕሪኡ ብሸነኽ ከረን ዘላ መገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኺመጽእ ረአየ።
35 ዮናዳብ ከኣ ንንጉስ፡ ደቂ ንጉስኪ እነዉ፡ ይመጹ ኣለዉ፡ ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ፡ ከምኡ ዀነ፡ በሎ።
36 ኰነ ድማ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ እነዉ እቶም ደቂ ንጉስ አተዉ፡ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከኣ በኸዩ። ንጉስን ኲሎም ገላዉኡን ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።
37 ኣቤሴሎም ግና ሀዲሙ ናብ ታልማይ፡ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር፡ ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ዂሉ መዓልቲ ይሐዝነሉ ነበረ።
38 ኣቤሴሎም ከኣ ሀዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፡ ኣብአ ኸኣ ስለስተ ዓመት ነበረ።
39 ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሴሎም ምውጻእ ሐደጎ።

1 ዮአብ ወዲ ጽሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ናብ ኣቤሴሎም ኣቢሉ ኸም ዝዘንበለ ፈለጠ።
2 ዮኣብ ከኣ ናብ ተቆዓ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ፡ በጃኺ፡ ሕዘኒ፡ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፡ በጃኺ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፡ ብምዉት ነዊሕ ዘበን ከም ዝሐዘነት ሰበይቲ ደአ ኹኒ።
3 ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸአ ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛረብዮ፡ ኢሉ ዮአብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ።
4 እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ ተዛረበቶ፡ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊአ ኸኣ ፍግም በለት፡ ዎ ንጉስ፡ ርድአኒ፡ ድማ በለቶ።
5 ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ድማ በለት፡ ብሓቂ ኣነ ሰብአየይ ዝሞተኒ መበለት ሰበይቲ እየ።
6 ገረድካ ኸኣ ክልተ ወዲ ነበሩኒ፡ ንሳቶም ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ዚፈላልዮም ኣብ ዜብሉ መሮር ተበአሱ እሞ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ።
7 እንሆ ኸኣ፡ ንገረድካ ብዘለዉ ዓሌቱ ተንሲኦም፡ ነዚ ቐታል ሓዉ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ነፍሲ ሓዉ ኽንቀትሎ፡ ነቲ ወራስስ ከነጥፍኦ ሀብና፡ ይብሉ ኣለዉ። ከምኡ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ እያድ የጥፍኡ፡ ንሰብአየይ ከኣ ስም ኰነ ተረፍ ኰነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይሐድጉሉን።
8 ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ ንቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባኺ ኽእዝዝ እየ፡ በላ።
9 እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ኸኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፡ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ግና ንጹህ ይኹን፡ በለቶ።
10 ንጉስ ድማ፡ ነዚ ዚዛረበኪ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሉሱ ኸኣ ኣይትንክየክን እዩ፡ በላ።
11 ንሳ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም ምጥፋእ ከየብዝሕ እሞ ንወደይ ከይቀትሎስ፡ ንጉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይዘክር፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ካብ ወድኺ ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በላ።
12 ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረቢ፡ በለ።
13 እታ ሰበይቲ ድማ በለት፡ ስለምንታይከ ንህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ሐሰብካሉ፡ ንጉስ ነቲ ኻብኡ እተሰጐ ኸይመልሶስ፡ እዚ ነገር እዚ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ።
14 ግዲ ኽንመውት ኢና እሞ፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና። ኣምላኽ ድማ ንነፍሲ ኣይወስድን፡ ግናኸ እቲ እተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣጸቢቑ ይሐስብ እዩ።
15 ሕጂ ኸኣ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረብ ኢለ ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ንንጉስ ደአ ኽዛረቦ፡ ንጉስ ምናልሽ ዘረባ ገረዱ ይገብሮ ይኸውን፡ በለት።
16 ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ኬጥፍኣኒ ዚደሊ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ንጉስ ንገረዱ ንምድሓን ኪሰምዕ እዩ።
17 ገረድካ ድማ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕን ክፉእን ንምስማዕ ከም መልአኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ቃል ጐይታይ ንጉስ ኬዕርፈኒ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ምሳኻ ይኹን፡ በለት።
18 ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ በጃኺ፡ እዚ ኣነ ዝሐተኪ ነገር ኣይትሕብእለይ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ይዛረብ ደአ፡ በለት።
19 እቲ ንጉስ ድማ፡ በዚ ዂሉስ ኢድ ዮአብከ ምሳኺዶ የሎን⋮ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ መለሰት፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ህይወት ነፍስኻ፡ ጊልያኻ ዮአብ ንሱ ኣዚዙኒ እዩ፡ እዚ ዂሉ ነገር እዚውን ንሱ ኣብ ኣፍ ገረድካ ኣንቢርዎ እዩ እሞ፡ ካብቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ ዂሉ ሓደ እኳ ንየማን ኰነ ንጸጋም ዜብል የልቦን።
20 ገጽ እዚ ነገር እዚ ገበረ። ጐይታይ ከኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘበለ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልአኽ ኣምላኽ ጥበበኛ እዩ።
21 ሽዑ ንጉስ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ሕጂ እዚ ነገር እዚ ገበርኩ፡ ኪድ እሞ ነቲ መንእሰይ፡ ንኣቤሴሎም፡ ምለሶ፡ በሎ።
22 ዮኣብ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ንንጉስ ከኣ መረቖ፡ ዮኣብ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ዘረባ ጊልያኡ ብምግባሩ፡ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸበ፡ ሎሚ ፈለጠ፡ በለ።
23 ዮኣብ ከኣ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደ፡ ንኣቤሴሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ።
24 ንጉስ ከኣ፡ ናብ ቤቱ ይኺድ፡ ገጸይ ግና ኣይርኤ፡ በለ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ገጽ ንጉስ ከኣ ኣይረአየን።
25 ኣብ ብዘሎ እስስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እተናእደ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን።
26 እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖ፡ ብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ።
27 ንኣቤሴሎም ድማ ሰለስተ ወድን ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ፡ ንሳ ትርኢታ ውቅብቲ ሰበይቲ ነበረት።
28 ኣቤሴሎም ከኣ፡ ገጽ ንጉስ ከይረአየ፡ ኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ።
29 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ ኪሰዶ ደልዩ ንዮአብ ለአኸሉ። ንሱ ግና ናብኡ ኺመጽእ ኣይፈተወን። መሊሱ ድማ ካልኣይ ሳዕ ለአከሉ፡ ንሱ ግና ኪመጽእ ኣይፈተወን።
30 ሽዑ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ዮኣብ ኣብ ጥቓ እታ ናተይ ግራት ኣላቶ፡ ኣባ ድማ ስገም ኣለዎ እሞ፡ ኬድኩም ሓዊ ምለሱሉ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ነታ ግራት ሓዊ መለሱላ።
31 ሽዑ ዮኣብ ተንሲኡ ንኣቤሴሎም ናብ ቤቱ መጾ እሞ፡ እዞም ገላዉኻ ንግራተይ ሓዊ ዝመለሱላ ስለምንታይ እዩ፡ በሎ።
32 ኣቤሴሎም ድማ ንዮኣብ፡ ስለምንታይ ደአ ኻብ ጌሹር መጻእኩ፡ ንኣይሲ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሔሸኒ ነይሩ። ሕጂ ኸኣ ገጽ ንጉስ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣበሳ ተረኺቡኒ እንተ ዀይኑ ድማ ይቕተለኒ፡ ክትብለለይ፡ እንሆ፡ ናብ ንጉስ ክሰደካ፡ ንዓ ናብዚ ኢለ ለአኽኩልካ፡ በሎ።
33 ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ አትዩ እዚ ነገሮ። ንኣቤሴሎም ድማ ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም ሰዐሞ።

 

1 ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብአይን ገበረ።
2 ኣቤሴሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ጥቓ መገዲ እታ ደገ ደው ይብል ነበረ። ኰነ ድማ፡ ባእሲ ዝነበሮ እሞ ኪፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ፡ ኣቤሴሎም ናብኡ ጸዊዑ፡ ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እዩ፡ በለ።
3 ኣቤሴሎም ድማ፡ ርኤ፡ ነገርካስ ጽቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፡ ግናኸ ካብ ንጉስ እተአዘዘ ዚሰምዓካ ደአ የልቦን፡ ይብሎ ነበረ።
4 ኣቤሴሎም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኽፈርደሉስ፡ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ፡ ይብል ነበረ።
5 ኰነ ድማ፡ ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።
6 ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዂሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።
7-8 ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ፡ ጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደአ መሊሱንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እዩ፡ ኢለ መብጸዓ ተማባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ።
9 ንጉስ ከኣ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ተንሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።
10 ኣቤሴሎም ግና ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ልኢኹ፡ ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ በሉ፡ በሎም።
11 ምስ ኣቤሴሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ የሩስሌም ከዱ፡ ንዳቶም ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ገለ ኸይፈለጡ፡ ብገርሆም ከዱ።
12 ኣቤሴሎም መስዋእትታት ሕሩድ ኪስውእ ከሎ ድማ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል ጊሎናዊ፡ ናይ ዳዊት መኻሪ፡ ካብ ከተማኡ፡ ካብ ጊሎ ጸውዖ። እቲ ምምሕሓል ከኣ በርትዔ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዚኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሔ ኸደ።
13 ሓደ ወረኛ ናብ ዳዊት መጺኡ ኸኣ፡ ልቢ ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ስዒቡ እዩ በለ።
14 ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ገላዉኡ፡ ተንስኡ ንህደም፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውጽኢ የብልናን እሞ፡ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸይወድቀና፡ ክፉእ ድማ ከየምጽአልና፡ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሴፍ ከይወቕዓስ፡ ቀልጥፍ ንኺድ፡ በሎም።
15 እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ዝደለዮ ዘበለ ዂሉ ንምግባር፡ እነዉ ገላዉኻ ተዳልዮም ኣለዉ፡ በልዎ።
16 ንጉስ ድማ ወጸ፡ ብዘሎ ቤተ ሰቡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ግናኸ፡ ንጉስ ዓሰርተ ሰበይቲ ኣንስቲ ወሰኑ፡ ቤት ኪሕልዋ ሐደገን።
17 እቲ ንጉስ ወጸ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ሰዐቦ። ኣብ ቤት-መርሓቅ ድማ ደው በሉ።
18 ኲሎም ገላዉኣኡ ኸኣ ጐጐቦኡ ሐለፋ፡ ኲሎም ጵለታውያንን ኲሎም ጋታውያንን ድማ፡ እቶም ካብ ጋት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቅድሚ ንጉስ ሐለፉ።
19 ሽዑ ንጉስ ንኢታይ፡ እቶ ጋታዊ፡ ንስኻኸ ስለምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣሎኻ፡ ተመለስ፡ ምስ ንጉስ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻስ እተማረኽካ ወሰንተኛ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቦታኻ ተመለስ።
20 ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ፡ ኣነስ ናብቲ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፡ ተመለስ ደአ፡ ነሕዋትካውን መለሶም፡ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን፡ በሎ።
21 ኢታይ ግና ንንጉስ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ጐይታይ ንጉስውን ህያው እዩ፡ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ዘለዋ ቦታ፡ ንሞት እንተ ዀይኑ ወይ ንህይወት፡ ጊልያኻ ድማ ኣብአ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
22 ዳዊት ከኣ ንኢታይ፡ ኪድ ተሳገር፡ በሎ። ኢታይ ጋታውን ኲሉ ሰቡን እቶም ምስኡ ዚነብሩ ዂሎም ቈልዑን ድማ ተሳገሩ።
23 ብዘላ እታ ሃገር ከኣ ዓው ኢላ ትበኪ ነበረት፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ተሳገሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ርባ ቄድሮን ተሳገረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ብመገዲ መረኻ ኣቢሎም ተሳገሩ።
24 እንሆ ኸኣ፡ ጻዶቅ ምስኡ ድማ ዂሎም ሌዋውያን ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ጾይሮም መጹ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ክኣ ኣቐመጥዎ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሳገር ድማ፡ ኣብያታር ደዪቡ ነበረ።
25 ንጉስ ከኣ ንጻዶቅ፡ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ኪመልሰኒ እዩ፡ ንእኡንንም ኣሕደሩን ድማ ከኢርእየኒ እዩ፡
26 ኣይፈትወካን እንተ በለኒ ግና፡ እኔኹ፡ ባህ ከም ዝበሎ ይግበረኒ፡ በሎ።
27 ንጉስ ድማ ንጻዶቅ ካህን፡ ንስኻ ረአዪ ደይኰንካን፡ ብሰላም ናብ ከተማ ተመለሰ፡ ወድኻ ኣሒማዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ።
28 ርአዩ፡ እቲ ወረ ዚነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዚመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረባዳ ኽጸንሕ እየ፡ በሎ።
29 ሽዑ ጻዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ።
30 ዳዊት ድማ በቲ መደይቢ ደብረ ዘይቲ ደየበ። ኪድይብ ከሎ ኸኣ በኸየ፡ ንሱ ድማ ርእሱ ተጐልቢቡ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፡ እናበኸየ ድማ ደየበ።
31 ንዳዊት ከኣ፡ ኣሒቶፌል ኣብ መንጎ እቶም ማሓሐልቲ ተሐዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ክትልውጦ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ።
32 ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዚስገደላ ቦታ ምስ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ሑሳይ ብዓል ኣርኪ ኽዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ከኣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኪቕበሎ መጸ።
33 ዳዊት ድማ በሎ፡ ምሳይ እንተ ሐልፍካ፡ ክትከብደኒ ኢኻ።
34 ግናኸ ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፡ ንኣቤሴሎም ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ኣነ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ ቀደም ጊልያ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ድማ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ እንተ በልካዮ፡ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከንቱ ኽትገብረለይ ኢኻ።
35 እቶም ካህናት ጻዶቅን ኣብያታራን ኣብኡ ምሳኻዶ ኣየለዉን? ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕካዮ ዘበለ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ክትነግሮም ኢኻ።
36 እነዉ ኽልቲኦም ደቆም ኣሕማዓጽ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ኣብኡ ምሳታቶም ኣለዉ። እትሰምዕዎ ዘበለ ዂሉ ነገር ድማ ብኣታቶም ጌርኩም ልአኹለይ።
37 ሑሳይ ፈታው ዳዊት ከኣ ናብ ከተማ አተወ፡ ኣቤሴሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣተወ።

 

1 ዳዊት ድማ ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ቅሩብ ምስ ሐለፈ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጺባ ጊልያ መፊቦሸት ክልተ ሚእቲ እንጌራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጐጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ተቐበሎ።
2 እቲ ንጉስ ድማ ንጺባ፡ እዚ ንምንታይ ኢልካዮ ኢኻ፡ በሎ። ጺባ ከኣ፡ እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ኪውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍሬታትን ድማ እዞም ገላዉ ኺበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ኸኣ እቶም ኣብ በረኻ ዚደኽሙ ኺሰትዎ ኢለ እየ በለ።
3 እቲ ንጉስ ድማ፡ ወዲ ጐይታኻ ደአ ኣበይ ኣሎ⋮ በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ንሱስ፡ ሎሚ ቤት እስራኤል፡ መንግስቲ ኣቦይ ኪመልሱለይ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ተቀሚጡ ኣሎ፡ በሎ።
4 ሽዑ ንጉስ ንጺባ፡ እንሆ፡ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ዂሉ ንኣኻ እዩ፡ በሎ። ጺባ ድማ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢድ እነስእ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ደአ ሞገስ እርከብ፡ በለ።
5 ንጉስ ዳዊት ድማ ናብ ባሑሪም ምስ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ዝስሙ ሰብአይ፡ ወዲ ጌራ ኻብ ዓኤት ቤት ሳኦል፡ ካብኣ ወጸ። ንሱ ወጺኡ እናኸደ ይረግም ነበረ።
6 እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ጸጋሙ ዀይኖም ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኲሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ።
7 ሽምዒ እቲ ኺረግሞ ኸሎ ኸምዚ ይብሎ ነበረ፡ አታ ናይ ደም ሰብ፡ ኣታ ናይ ብልያል ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ።
8ነቲ ኣብ ክንዳኡ ንዝነገስካ ዂሉ ደም ቤት ሳኦል እግዚኣብሄር ናባኻ መለሰልካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ኣብ ኢዱ ሀቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እንሆልካ ብኽፍኣትካ ተተሐዝካ።
9 ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ኸኣ ንንጉስ፡ እዚ ምዉት ከልቢ እዚ ስለምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዚጸርፎ ዘሎ፡ በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ፡ በሎ።
10 ንጉስ ግና፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም ኰይነ ዝገብሮ እንታይ ኣሎኒ፡ እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ርገም፡ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ከምዚ እትገብር፡ ዚብሎ መን እዩ፡ በለ።
11 ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዂሎም ገላዉኡን፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንነፍሰይ ይደልያ ኣሎ፡ ከመይ ግዳ ሕጂ እዚ ብንያማዊ ወዲ ዝገደደ ዘይገብር። እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ።
12 እግዚኣብሄር ነዚ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመጻ ርእዩስ፡ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገም ዘሎኹ ምናልባሽ ጽቡቕ እንተ መለሰለይ፡ በሎም።
13 ዳዊትን ሰቡን ብመገደ መገዲ ይኸዱ ነበሩ፡ ሽምዒ ኸኣ ኣብ መንጽሩ ብጐቦ እቲ ኸረን ኣቢሉ ኪኸይድ ከሎ እናረገሞ፡ እምኒውን እናደርበየሉ፡ ብሓመድ ከኣ እናገጨቦ ይኸይድ ነበረ።
14 ንጉስ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ድማ ደኺሞም ናብኡ መጹ፡ ኣብኡ ኸኣ እተንፈሱ።
15 ኣቤሴሎም እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ሰብ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኣተዉ፡ ኣሒቶፌልውን ምስኡ ነበረ።
16 ኰነ ድማ፡ ሑሻይ በዓል ኣርኪ፡ ፈታዊ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሴሎም፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ ንጉስ ሃይው ይኹን፡ በሎ።
17 ኣቤሴሎም ከኣ ንሑሻይ፡ እቲ ንፈታዊኻ እትገብረሉ ሞተስ እዚ ድዩ፡ ስለምንታይ ደአ ምስ ፈታዊካ ዘይከድካ፡ በሎ።
18 ሑሻይ ድማ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዚ ህዝቢ እዝን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ዝሐረይዎ እየ፡ ምስኡ ኸኣ እነብር።
19 መሊሰ ደአ ንመን ከገልግል እየ፡ ኣብ ቅድሚ ወዱ ክኸውን ደይኰንኩን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ዘገልገልኩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቅድሜካ ክኸውን እየ፡ በሎ።
20 ኣቤሴሎም ድማ ንኣሒቶፌል፡ እንታይ ከም እንገብር ምኽሪ ሀቡና፡ በሎ።
21 ኣሒቶፌል ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ነተን ቤት ኪሕልዋ ዝሐደገንን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እተወን። ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ ኣቦኻ ጽዩፍ ከም ዝዀንካ ይሰምዕ፡ ሽዑ ኣእዳው እቶም ምሳኻ ዘለዉ ዂሎም ኪጸኖኣ እየን፡ በሎ።
22 ንኣቤሴሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፡ ኣቤሴሎም ከኣ፡ ብዘሎ እስራኤል እንረአየ፡ ናብተን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ አተወ።
23 በዚ ጊዜ ኣሒቶፌል ዚመኽሮ ዝነበረ ሚኽሪ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ምጥያቕ ነበረ፡ ኲሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል ዘበለ ምስ ዳዊት ኰነ ምስ ኣቤሴሎም ከምኡ ነበረ።

1 ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም በሎ፡ በጃኻ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽህ ሰብአይ ሐርየስ ተንሲኤ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ።
2 ሽዑ ደኺሙን ኣእዳዉ ዘርጋሕጋሕ ኢለን ከለዋን፡ ሓደጋ ወዲቐ ኸሰምብዶ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢውን ይሀድም፡ ንንጉስ በይኑ ኸኣ እቐትሎ፡
3 ንዂሉ ህዝቢ ድማ ናባኻ እመልሶ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብአይሲ ዂሎም ከም እተመልሱ እዩ፡ ሽዑ ንዅሉ ህዝቢ ሰላም ይኸውን።
4 እዚ ዘረባ እዚ ንኣቤሴሎምን ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ባህ ኣበሎም።
5 ኣቤሴሎም ግና፡ እስኪ ንሑሻይ ብዓል ኣርኪ ኸኣ ጸውዕዎ፡ ንሱ ዚብሎ ድማ ክንሰምዕ፡ በለ።
6 ሑሻይ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣቤሴሎም፡ ኣሒቶፌል ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛሪቡ ኣሎ፡ ነቲ ዘረባኡስ ንግበሮዶ፡ እንተ ዘይኰነስ ንስኻ ተዛረብ፡ በሎ።
7 ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ኣሒቶፌል በዚ ጊዜ እዚ ዝመኽሮ ምኽሪ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በሎ።
8 ሑሻይ ድማ መሊሱ በሎ፡ ኣቦኻን እቶም ሰቡን ከኣ ጀጋኑን ኣብ መሮር ኰራኲራ ኸም ዘግደፍዋ ዝብኢ መረርቲ ነፍስን ከም ዚዀኑ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብአይ እዩ፡ ምስ ህዝቢ ኸኣ ኣይሐድርን።
9 እንሆ ሕጂ እኳ ኣብ ሓደ ጒድጓድ ወይ ኣብ ሓደ ቦታ ተሐቢኡ ኣሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብመጀመርታ ኻባታቶም ገለ እንተ ወደቑ፡ እቲ ዝሰምዔ ዘበለ፡ እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዐበ ህዝቢ ተሳዒሩ እዩ፡ ኺብል እዩ።
10 ኣቦኻ ጅግና ኸም ዝዀነ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸኣ ሓያላት ምዃኖም ብዘሎ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሽዑ እቲ ኸም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈጺሙ ኺመክኽ እዩ።
11 ስለዚ ኸም ሑጻ ባሕሪ ምእንቲ ኺበዝሕ፡ ብዘሎ እስራኢል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባኦ ናባኻ ኪኸትት፡ ባዕልኻውን ናብቲ ውግእ ክትከይድ፡ እመክር ኣሎኹ።
12 ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዚወድቕ፡ ኣብ ሓንቲ ዚርከበላ ቦታ ንውደቆ። ካብኡን ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከኣ ሓደ እኳ ኣይነትርፍን።
13 ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ አተወ ድማ፡ ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ነታ ኸተማ እቲኣ በግማድ ይኸባ፡ ንእሽቶ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይርከባ ድማ፡ ናብ ርባ ኽንስሕባ ኢና።
14 ሽዑ ኣቤሴሎምን ብዘለዉ ሰብ እስራኤልን፡ ካብ ምኽሪ ኣሒቶፌልሲ ምኽሪ ሑሻይ ብዓል ኣርኪ ይበልጽ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኼምጽአሉስ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ኪዝርዝር ኣዚዙ ነበረ።
15 ሽዑ ሑሻይ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣቧታርም’ ኣሒቶፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዝን ከምዝን ኢለ መኸርኩ።
16 እምበኣር ሕጂ፡ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሐጡስ፡ ብዝዀነ ተሳገር እምበር፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት በረኻ ኣይትሕደር፡ ኢሎም ንዳዊት ኪነግርዎ፡ ቀልጢፍኩም ልአኹሉ፡ በሎም።
17 ዮናታንን ኣሒማዓጽን ድማ ኣብ ዔን-ሮጌል ደው ኢሎም ነበሩ፡ ናብ ከተማ ኣትዮም ኪረአዩ ኣይከአሉን እሞ፡ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፡ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ።
18 ግናከ ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፡ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ፡ ኣብ ባሑሪም ኣብ ቤት ሓደ ሰብአይ ኣተዉ፡ ኣብ ደምቤኡ ድማ ዔላ ነበረቶ፡ ናብአ ኸአ ወረዱ።
19 እታ ሰበይቱ ድማ፡ ሰብ ምእንቲ ኽይርእዮምሲ፡ ማእሲ ወሲዳ ኣብ ኣብ እታ ዔላ ዘርግሔት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒዱእ ስገም ሰጥሔት እሞ፡ ገለ ነገር ኣይተፈልጠን።
20 ገላዉ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት ናብታ ሰበይቲ መጺኦም ከኣ፡ ኣሒማዓጽን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ፡ በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ርባ ማይ ተሳጊሮም፡ በለቶም። ንሳቶም ከኣ ደለይዎም፡ ምስ ሰአንዎም ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
21 ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስ ከዱ፡ እቲኣቶም ድማ ካብቲ ዔላ ወጺኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ፡ ኣሒቶፌል ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፡ ተንሲእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ማይ ተሳገሩ፡ በልዎ።
22 ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ተንሲኦም ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ክሳዕ ብርሃን ወጋሕታ ድማ፡ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
23 ኣሒቶፌል ከኣ ነቲ ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ተንሲኡ፡ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣስተናቢሩ ድማ ተሐኒቑ ሞተ። ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸኣ ተቐብረ።
24 ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም መጸ። ኣቤሴሎም ከኣ፡ ንሱን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ምስኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ።
25 ኣቤሴሎም ከኣ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንዓማሳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ዓማሳ ድማ ወዲ ዪትራ ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንኣቢጋል ጓል ናሓሽ፡ ሓብቲ ጽሩያ ኣደ ዮአብ፡ ኣትይዋ ነበረ።
26 እስራኤልን ኣቤሴሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ሰፈሩ።
27 ኰነ ኸአ፡ ዳዊት ናብ ማሓናይም ምስ ኣተወ፡ ሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ካብ ሎ-ድባር፡ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም፡
28-29 ንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዮን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዓራውትን ጭሔሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጓን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዚብላዕ ኣምጽኡሎም።

1 ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ቘጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሸመሎም።
2 ዳዊት ከኣ ነቲ ህዝቢ፡ ሲሶኡ ኣብ ትሕቲ ኢድ ዮአብ፡ ነቲ ሲሶኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣቢሻይ፡ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮአብ፡ ነቲ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታይ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣነ ኸኣ ርግጽ ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ፡ በሎም።
3 እቶም ህዝቢ ግና፡ ንሕናስ እንተ ሀደምና፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን፡ ፈረቓና እንተ ሞትናውን፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን እዮም፡ ንስኻ ግና ክንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፡ ኣይትውጻእ። እምበኣርሲ ሕጂ አዳሊኻ ኻብ ከተማ ኽትረድአና ይሐይሽ፡ በሉ።
4 እቲ ንጉስ ከኣ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም እገብር፡ በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ደው በለ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ድማ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኰይኖም ወጹ።
5 እቲ ንጉስ ከኣ ንዮአብን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ምስ እቲ ጐበዝ፡ ምስ ኣቤሴሎም፡ ስለይ ኢልኩም ብቐስታ ግበርዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዂሎም ሓላቑ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ኪእዝዞም ከሎ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።
6 እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእስራኤል ኪቃባበሎ ናብ መሮር ወጸ፡ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ።
7 ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናብ ዕስራ ሽሕ ዚአክል ብርቱዕ ጥፍኣት ኰነ።
8 ኣብኡ ኸኣ እቲ ውግእ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ፋሕ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ሴፍ ዝወሐጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሐጦ በዝሔ።
9 ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉ ዳዊት ብቕድሚኦም ተጓነፎም። ኣቤሴሎም ከኣ በቕሊ ሰሪሩ ነበረ፡ እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ደስደስ ዓብዪ ድዋ አተወት፡ ርእሱ ኸኣ ኣብቲ ድዋ ተታሕዘ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሐለፈት።
10 ሓደ ሰብአይ ድማ ርእዩ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ንኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ፡ ኢሉ ነገሮ።
11 ዮአብ ከኣ ነቲ ዝነገሮ ሰብአይ፡ እንሆ፡ ርኢኻዮ ኸሎኻስ ስለምንታይ ድአ ኣብኡ ምስ ምድሪ ዘየጣበቕካዮ፡ ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ሓደ ቕናትን ምሀብኩኻ ነይረ፡ በሎ።
12 እቲ ሰብአይ ከኣ ንዮኣብ፡ ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም፡ ስለይ ኢልኩም ተጠንቀቑሉ፡ ኢሉ ኺእዝዘኩም ከሎ ንሰምዖ ነርና ኢና እሞ፡ ሽሕ ሲቃል ብሩር ተመዚኑ ኣብ ኢደይ እንተ ዝቕበል እኳ፡ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይምዘርጋሕኩን።
13 ንነፍሱ ደፊረያ ኸም ኰንኩ ድማ፡ ካብ ንጉስ ዚሕባእ ነገርሲ የልቦን፡ ንስኻ ኸኣ ምተቓወምካኒ ኔርካ፡ በሎ።
14 ሽዑ ዮአብ፡ ከምዚ ምሳኻ ኽድንጒ ኣይደልን፡ በለ። ሰለስተ መዝረቕ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ድማ፡ ንሱ ገና ብህይወቱ ኣብ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ኸሎ፡ ናብ ልቢ ኣቤሴሎም ሸኸተን።
15 ዓሰርተ መንእሰይ፡ ጋሻ ዛግረ ዮአብ ከኣ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፡ ወቒዖም ድማ ቀተልዎ።
16 ዮአብ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ዮኣብ ነቲ ህዝቢ ኸልከሎ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ምስጓጒ እስራኤል ተመልሰ።
17 ንኣቤሴሎም፡ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ጒድጓድ ደርበይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ዂምራ እምኒ ደርደሩሉ። ብዘለዉ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።
18 ኣቤሴሎም ድማ፡ ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ ወሲዱ ነቲ ኣብ ንጉስ ዘሎ ሓወልቲ ኣቘሞ። ነቲ ሓወልቲ ኸኣ ብስሙ ሰመዮ፡ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ ሓወልቲ ኣቤሴሎም ይበሀል ኣሎ።
19 ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ ንንጉስስ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቱ በዪንሉ እዩ እሞ፡ ጐይየ ደአ ኸበስሮ፡ በለ።
20 ዮኣብ ከኣ፡ ንስኻ ሎሚ መዓልቲ ብስራት እትነግር ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ብኻልእ መዓልቲ ደአ ተበስር፡ ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ኣይተበስርን ኢኻ፡ በሎ።
21 ዮአብ ግና ነቲ ኩሻዊ፡ ኪድ፡ ዝርኤኻዮ ንንጉስ ንገሮ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ኢድ ነሲኡስ ጐየየ።
22 ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ኣነውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ፡ በጃኻ፡ በሎ። ዮአብ ከኣ፡ ወደየ፡ ናይ ብስራት ዚመጸካ ነገር ዜብልካስ፡ ስለምንታይ እትጐዪ፡ በሎ።
23 ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደአ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጒየ፡ በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ጐልጐል ጐይዩ ነቲ ኩሻዊ ቐደሞ።
24 ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ዘብዔኛ ኸኣ ብወገን እቲ መካባብያ ኣብ ዝባን ናሕሲ እቲ ደገ ይኸይድ ነበረ። ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ በይኑ ዚጐዪ ሰብአይ ረአየ።
25 እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ጸዊዑ ንንጉስ ነገሮ። ንጉስ ከኣ፡ በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ብስራት ኣብ ኣፉ ኣሎ፡ በለ። እናጐየየ ድማ ቐረበ።
26 እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ካልእ ሰብአይ ኪጐዪ ረአየ፡ ሽዑ እቲ ዘብዔኛ ነጋፋሪ ጸዊዑ፡ እንሆ፡ በይኑ ዚጐዪ ኻልእ ሰብአይ ድማ፡ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እዚውን ዜበስር እዩ፡ በለ።
27 እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ንአይሲ ጒያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ መሲሉ ይረአየኒ፡ በለ። ንጉስ ከአ፡ ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ፡ ጽቡቕ ብስራት ዜምጽእ እዩ፡ በለ።
28 ኣሒማዓጽ ድማ ንንጉስ፡ ሰላም ኢሉ፡ ጨደረ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነሲኡ ኸኣ፡ እቲ ነቶም ኣብ ጐይታይ ንጉስ ኣእዳዎም ዘልዐሉ ሰባት ኣሕሊፉ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይባረኽ፡ በለ።
29 እቲ ንጉስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሐንዶ ኣሎ፡ በለ። ኣሒማዓጽ ከኣ፡ ንዮአብ ነቲ ጊልያ ንጉስን ንኣይ ንጊልያኻን ኪልእከና ኸሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርኤኹ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩን፡ በለ።
30 እቲ ንጉስ ከኣ፡ እግሊስካ ኣብኡ ደው በል፡ በሎ። ኣግሊሱ ድማ ደው በለ።
31 እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኩሻዊ መጸ። እቲ ኩሻዊ ድማ፡ ካብ ኢድ እቶም ዝተንስኡኻ ዂሎም እግዚኣብሄር ሎሚ በይኑልካ እዩ እሞ፡ ንጐይታይ ንጉስ ብስራት፡ በለ።
32 እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ኩሻዊ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓንዶ ኣሎ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ ጸላእቲ ጐይታይ ንንጉስን ንኽፉእካ ዚትንስኡ ዂሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ፡ በለ።
33 ሽዑ ንጉስ ኣዝዩ ሕንቕንቕ በለ፡ ኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ በኸየ። እናኸደ ኸኣ ከምዚ በለ፡ ወደይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ፡ ወደይ፡ ኣቤሴሎም፡ ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ፡ ወድይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ።

 

1 ንዮአብ ድማ፡ እንሆ፡ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይጒህን ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
2 እቲ ንጉስስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሐዘነ፡ እቲ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ እቲ ስዕረት ናብ ጓሂ ተለወጠ።
3 ኣብ ኲናት ብምህዳሞም ሐፊሮም እናተጸቕጠ ናብ ከተማ ኣተወ።
4 እቲ ንጉስ ከኣ ገጹ ኸዲኑ ነበረ፡ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ፡ ወደይ ኣቤሴሎም፡ ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ፡ ኢሉ ጨደረ።
5-6 ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣብታ ቤት ኣትዩ በሎ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ብምፍታውካን ነቶም ዚፈትዉኻውን ብምጽላእካን፡ ነቶም ገላዉን ሓላቑን ግዶም ከም ዜብልካ፡ ሎሚ አፍለጥካ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዂልና ግና ሎሚ እንተ ንመዉት፡ ሽዑ ቕኑዕ ኰይኑ ኸም ዚረአየኻን፡ ሎሚ ፈለጥኩ። ሎሚ ንገጽ እቶም ነፍስኻን ነፍሲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ነፍሲ ኣንስትኻን ነፍሲ ኣንስቲ ወሰንካን ዘድሐኑ ዂሎም ገላውኻን ኣሕፈርካዮ።
7 ሕጂ ኸኣ፡ ተንሲእካ ውጻእ፡ ንልቢ ገላዉኻ ድማ ተዛረብ። እንተ ዘይወጻእካ ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሓድር፡ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣሎኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ህጂ ዝመጸካ ኽፉእ ድማ፡ እዚ ኪኸፍኣካ እዩ።
8 ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። እንሆ፡ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ኢሎም ንብዘሎ ህዝቢ ነገርዎ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ። እስራኤል ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀዲሙ ነበረ።
9-10 ኣብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ እዚ ንጉስ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣውጽኣና፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓነና፡ ሕጂ ኸኣ ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሀዲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞይቱ። ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለምንታይ ስቕ እትብሉ፡ ኢሎም ተኻትዑ።
11 ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን፡ ከምዚ ኢሉ ለአኸሎም፡ ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፡ ዘረባ ዂሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ኣብ ቤቱ መጺኡ ኸሎስ፡ ስለምንታይከ ንስኻትኩም ንንጉስ ናብ ቤቱ ንምምላስ ዳሕሮት ኰንኩም፡
12 ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ዓጽመይን ስጋይን ኢኹም፡ ስለምንታይ ንምምላስ ንጉስ ዳሕሮት ኰንኩም፡
13 ንዓማሳውን ከምዚ በልዎ፡ ንስኻስ ዓጽመይን ስጋይን ደይኰንካን፡ ንስኻ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንወርትግ ኣብ ቅድመይ መስፍን ሰራዊት እንተ ዘይኴንካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ።
14 ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸኣ ንልቢ ዂሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ ተመለሱ፡ ኢሎም ለአኹ።
15 ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ሰብ ይሁዳ ድማ ከይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ዮርዳኖስ ኬሳግርዎ፡ ናብ ጊልጋል መጹ።
16 ሺምዒ፡ ወዲ ጌራ ብንያማዊ ብዓል ባሔሪም፡ ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ዀይኑ ንንጉስ ዳዊት ኪቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ።
17 ካብ ብንያም ከኣ ሽሕ ሰብአይ ምስኡ ነበሩ፡ ጺባ ግልያ ቤት ሳኦል ድማ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ገላዉኡን ከኣ ምስኡ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ዮርዳኖስ ተሳገሩ።
18 ስድራ ንጉስ ዚሳገሩሉ፡ ዝደለዮውን ኪገብረሉ ታንኳ ተሳገረ። ሺምዒ ወዲ ጌራ ኸኣ፡ ንጉስ ንዮርዳኖስ ኪሳገር ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ።
19 ንንጉስ ድማ፡ ጐይታይ ነቲ ኣበሳ ኣይሐዘለይ፡ በታ ጐይታይ ንጉስ ካብ የሩሳሌም ዝመጸላ መዓልቲ ጊልያኻ ዝበደሎ ኸኣ ኣይትዘክሮ፡ ንጉስ ኣብ ልቡ ደአ ኣየንብሮ።
20 ኣነ ኸም ዝበደልኩ፡ ጊልያኻ ፈሊጡ እዩ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ቕድሚ ዂላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፡ ጐይታይ ንጉስ ንምቕባል መጻእኩ፡ በሎ።
21 ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና፡ ሺምዒ ንቕቡእ እግዚኣብሄር ረጊሙ እዩ እሞ፡ በዚ ኺመዉትዶ ኣይግብኦን እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
22 ዳዊት ድማ፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ሎሚዶ ኣብ እስራኤል ሰብአይ ይመውት፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ፡ ሎሚ ተጻረርቲ እተዀኑኒ፡ ምሳኻትኩም ዝገብሮኸ እንታይ ኣሎኒ፡ በለ።
23 ንጉስ ከኣ ንሺምዒ፡ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ። ንጉስ ድማ መሐለሉ።
24 መፊቦሸት ወዲ ሳኦልን ንንጉስ ኪቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝአተወላ መዓልቲ እግሩ ኣየጽረየን፡ ጭሕሙ ድማ ኣይዘርገፈን ክዳኑውን ኣይሐጸበን ነበረ።
25 ንንጉስ ኪቕበሎ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ንጉስ፡ ኣታ መፊቦሸት፡ ስለምንታይ ምሳይ ዘይከድካ፡ በሎ።
26 ንሱ ድማ በለ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ጊልያኻ ሓንካስ እዩ እሞ፡ ኣድጊ ጽዒነስ ተወጢሔያ ምስ ንጉስ ክኸይድ፡ ኢሉ ነበረ፡ ግናኸ ጊልያይ ኣታሊሉኒ።
27 ንሱ ድኣ ንጊልያኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ነገር ሰርሓሉ። ጐይታይ ንጉስ ግና ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ባህ ዘበለካ ግበር።
28 ብዘላ ቤት ኣቦይሲ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ብጀካ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፡ ንስኻ ግና ንጊልያኻ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣሎኒ፡ ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ፡
29 እቲ ንጉስ ከኣ፡ ንምንታይከ ናይ ነገርካ መሊስካ እትዛረብ፡ እቲ ግራት ንስኻን ጺባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፡ በለ።
30 መፊቦሸት ድማ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ንቤቱ እንድሕሪ ተመልሰስ፡ ኵሉ እኳ ይውሰዶ፡ በሎ።
31 ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም ወሪዱ፡ ኽሳዕ ስግር ዮርዳኖስ ኬሰንዮ ኢሉ፡ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ።
32 ባርዚላይ ድማ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኰይኑ፡ እምብዛ ሸምጊሉ ነበረ። ንሱ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ኣብ መሓናይም ከሎ ይምግቦ ነበረ።
33 ንጉስ ከኣ ንባርዚላይ፡ ንስኻ ምሳይ ተሳገር እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ምሳይ ክምግበካ እየ፡ በሎ።
34 ባርዚላይ ግና ንንጉስ በሎ፡ ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲ፡ ዓመታት ህይወተይ ክንደይ እየን፡
35 ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኣየ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ፡ ጊልያኻስ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ፡ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን እሰምዕ አልየ፡ ስለምንታይ ደአ ደጊምከ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ጾር ዝዀኖ፡
36 ጊልያኻ ምስ ንጉስ ቅሩብ ግዳ ንዮርዳኖስ ክሳገር። ስለምንታይከ ንጉስ እዚ ውሬታ እዚ ዚመልሰለይ፡
37 ኣብቲ መቓብር ኣቦይን ኣደይን ዘለዎ ኣብ ከተማዶ ክመውት ጊልያኻ ኽምለስ እልምነካ ኣሎኹ። ጊልያኻ ኪምሃም ግና፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፡ ንእኡ ባህ ዝበለካ ግበሮ።
38 ንጉስ ከኣ፡ እምበአርሲ ኪምሃም ምሳይ ይሳገር፡ ንእኡ ድማ ባህ ዜብለካ ኽገብረሉ እየ፡ ንኣኻውን ካባይ እትደልዮ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልካ እየ፡ በለ።
39 ብዘሎ ህዝቢ ከኣ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ንጉስውን ተሳገረ። ንጉስ ድማ ንባርዚላይ ስዒሙ መረቖ። ናብ ቦታኡ ድማ ተመልሰ፡
40 ንጉስ ከኣ ናብ ጊልጋል ተሳገረ፡ ኪምሃምውን ምስኡ ተሳገረ። ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም ከኣ ንንጉስ ኣሳገርዎ።
41 እሆ ድማ፡ ኲሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መጺኦም ንንጉስ፡ እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ስለምንታይ እዮም ዝሰረቑኻ፡ ንንጉስን ንስድራኡን፡ ንዂሎም ናይ ዳዊት ሰብውን ምስኡ፡ ዮርዳኖስ ኣሳገርዎም፡ በልዎ።
42 ኲሎም ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሰብ እስራኤል፡ ንጉስ ንኣና ስለ ዚቐርብ ኢና፡ ስለምንታይ ደአ ኢኹም በዚ ነገር እዚ እትዂርዩ፡ ካብ ንጉስዶ ገለ ብልዒ በሊዕና ኢና፡ ወይ ገለ ህያብዶ ሂቡና እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።
43 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፡ ኣብ ንጉስ ዓሰርተ ኢድ ኣሎና፡ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለጸ መሰል ኣሎና፡ ስለምንታይከ ነዐቕኩምና፡ ንንጉስና ንምምላስ ቅድም እተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኰናን፡ ኢሎም መለሱሎም። ግናኸ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤልሲ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደአ ረዘነ።

 

1 ኣብኡ ኸኣ ሓደ ናይ ብልያል ሰብ፡ ሸባዕ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፡ ብንያማዊ ሰብአይ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፡ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ይመለስ፡ ኢሉ መለኸት ነፍሔ።
2 ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ንዳዊት ካብ ምስዓብ ተመሊሶም፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰዐቡ። እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ኣብ ንጉሶም ለጊቦም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ የሩሳሌም ሰዐብዎ።
3 ዳዊት ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ መጸ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሰደን፡ ኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐሚጡ ኸኣ፡ ይቕልበን ነበረ። ናባታተን ግና ኣይአተወን። ንሳተን መበለታት ኰይነን ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዐጽየን ነበራ።
4 ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡ ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፡ ንስኻ ከኣ ኣብዚ ተረኸብ፡ በሎ።
5 ሽዑ ዓማሳ ንሰብ ይሁዳ ኬኽትት ከደ፡ ግናኸ ካብቲ ዝመደቦ ጊዜ ደንጐየ።
6 ሽዑ ዳዊት ንኣቢሻይ፡ ሕጂ ሸባት ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ኪኸፍኣና እዩ፡ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፡ ካብ ዓይንና ኸይመልቚሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ፡ በሎ።
7 ሽዑ ናይ ዮአብ ሰባትን እቶም ክረታውያንን ጵለታውያንን ኲሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ።
8 ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ መጺኡ ተራከቦም። ዮአብ ድማ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ ተዐጥቀ፡ ብልዕሊኡ ኸኣ ኣብ ምሕኲልቱ ሴፍ ምስ ሰገባኡ ተኦአጢቑ ነበረ። ንሱ ኪኸይድ ከሎ ድማ እቲ ሴፍ ወደቐ።
9 ዮአብ ድማ ንዓማሳ፡ ደሓንዶ ኣሎካ ሓወይ፡ ኢሉ፡ ኪስዕሞ ብየማነይቲ ኢድ ጭሕሙ ሓጾ።
10 ዓማሳ ግና ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሴፍ ኣይተጠንቀቐሉን እሞ፡ ንሱ ብእኡ ገይሩ ከብዱ ወግኦ፡ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሔ፡ ካልኣይ ከይወግኦ ኸኣ ሞተ፡ ዮአብን ኣቢሻይን ሓዉን ድማ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰጐጒዎ፡
11 ሓደ ሰብአይ ካብ ገላዉ ዮአብ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ቘይሙ፡ ፈታው ዮኣብ ዝዀነን ንዳዊት ኪኸውን ዝደለየን ደድሕሪ ዮኣብ ይስዓብ፡ ይብል ነበረ።
12 ዓማሳ ከኣ ኣብ ማእከል መገዲ ኣብቲ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ፡ እቲ ሰብአይ ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው ከም ዝበለ ረአየ፡ ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ከም ዚብል ምስ ረአየ ኸኣ፡ ንዓማሳ ኻብ መገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሓሉ።
13 ካብ መገዲ ምስ ኣልዐልዎ ግና፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒጒ ኲሉ ሰብ ደድሕሪ ዮኣብ ሐለፈ።
14 ንሱ ድማ ብዂሎም ነገዳት እስራኤል ገይሩ ናብ ኣቤልን ቤት-ማዓካን ናብ ኲሎም በሪያውያን ሐለፈ። ንሳቶም ድማ ተአኪቦም ደድሕሪኡ መጹ።
15 መጺኦም ከኣ ኣብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ ኸበብዎ፡ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዚቐውም ድልድል ደልደሉላ። እቲ ምስ ዮአብ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ድማ ነቲ መንደቕ ኬውድቖ የፍርሶ ነበረ።
16 ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ፡ ስምዑ፡ ስምዑ፡ በጃኹም ንዮአብ፡ ክዛረበካ ኽሳዕ ናብዚ ቕረብ፡ በሉለይ፡ ኢላ ጨደረት።
17 ንሱ ኸኣ ናብኣ ቐረበ፡ እታ ሰበይቲ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ በለቶ፡ ንሱ ኸኣ፡ እሰምዕ ኣሎኹ፡ በሎ።
18 ንሳ ድማ፡ ቀደም፡ ምኽሪ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ፡ ይበሀል ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ተፈጸመ።
19 ኣነስ ኣብ እስራኤል ሰላማዊትን እምንትን እየ፡ ንስኻከ ነዛ ኣብ እስራኤል ከተማን ኣደይ ዝዀነት ከተፍርሳ ትደሊ ኣሎኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ ዘሎኻ ኢላ፡ ተዛረበት።
20 ዮኣብ ድማ፡ እቲ ምውሓጥን ምጥፋእንሲ የርሕቆ፡ ካባይ የርሕቆ።
21 ነገሩ ኸምኡ ኣይኰነን፡ ሸባዕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ቢክሪ ኻብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብ ንጉስ፡ ኣብ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ እዩ እሞ፡ ንእኡ ጠራይ ደአ ሀቡኒ እምበር፡ ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም፡ ኢሉ መለሰ። እታ ሰበይቲ ከኣ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ርእሱ ብመካበብያ ኽንድርብየልካ ኢና፡ በለት።
22 ሽዑ እታ ሰበይቲ ብብልህነታ ናብ ኲሉ ህዝቢ መጸት። ርእሲ ሸባኦ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ድማ ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሔ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ድንኳኑ ፋሕ በለ። ዮአብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።
23 ዮኣብ ድማ ሓለቓ ዂሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ።
24 ኣዶራም ድማ ዋና ግብሪ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ትሓዝ ደብተር ነበረ።
25 ሸያእ ድማ ጸሓፊ ነበረ፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ።
26 ዒራ ያኢራም ድማ ናይ ዳዊት ካህን ነበረ።

1 ብዘበን ዳዊት ድማ፡ ዓመት ንዓመት፡ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኰነ። ዳዊት ከኣ ገጽ እግዚኣብሄር ደለየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚ ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን፡ ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም እዩ፡ በለ።
2 ሽዑ ንጉስ ንጊብዖናውያን ጸዊዑ ተዛረቦም። እቶም ጊብዖናውያን ግና ካብቶም ካብ ኣሞራውያን ዝተረፉ እዮም እምበር፡ ካብ ደቂ እስራኤልሲ ኣይኰኑን። እቶም ደቂ እስራኤል ደአ ምሒሎምሎም ነበሩ፡ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንአት፡ ኬጥፍኦም ደለየ።
3 ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያን፡ ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትምርቑስ፡ እንታይ ክገብረልኩም፡ ብምንታይከ ዕርቂ ክገብር እየ፡ በሎም።
4 እቶም ጊብዖናውያን ድማ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ነገር ብሩርን ወርቅን የብልናን፡ ኣብ እስራኤልውን ሰብ ክንቀትል ኣይብኣናን፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ፡ በሎም።
5 ንሳቶም ድማ ንንጉስ፡ እቲ ዝወድኣናን ኣብ ኲሉ ዶብ እስራኤል ከይንነብር፡ ምእንቲ ኽንጸንት እተተንኰለልናን ሰብአይ፡
6 ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ጊብዓ ናይ ሳኦ ንእግዚኣብሄር ክንሰቕለሉ፡ ካብ ደቁ ሾብዓተ ሰባት ይሀቡና፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣነ ኽህበኩም እየ፡ በለ።
7 እቲ ንጉስ ግና ንመፊቦሸት፡ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኦም፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ማሕላ እግዚኣብሄር ኢሉ ነሐፎ።
8 ንጉስ ግና ነቶም ክልተ ደቂ ሪጽጳ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን መፊቦሸትን፡ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዓድርኤል ወዲ ባርዚላይ መሖላታዊ ዝወለደትሉ ኸኣ ወሰዶም፡
9 ኣብ ኢድ ጊብዖናውያን ድማ ኣወፈዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፡ ሾብዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፡ በቲ ዓጺድ ስገም ዚጅመረሉ ኸኣ፡ ብጊዜ ቐውዒ ሞቱ።
10 ሪጽጳ ጓል ኣያ ድማ ማቕ ወሲዳ ንርእሳ ኣብ ከውሒ ኣንጸፈት፡ ካብ መጀመርታ ቐውዒ፡ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዚዘንሞም ከኣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ኪዐርፉሎም ኣይሐደገቶምን።
11 እቲ ሪጽጳ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል፡ ዝገበረቶ ኸኣ ንዳዊት ነገርዎ።
12 ዳዊት ድማ ከይዱ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ወሰደ። ንሳቶም ካብቲ ኣደባባይ ቤት-ሻን ሰሪቖምዎም ነበሩ፡ ኣብኡ ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐትሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ።
13 ንሱ ኸኣ ካብኡ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣጽምቲ ዮናታን ወዱን ኣልዐለ፡ ኣዕጽምቲ እቶም ስቑላት ድማ ኣከቡ።
14 ነቲ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ቂስ፡ ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጼላዕ ቀበርዎ። እቲ ንጉስ ዝአዘዞ ዂሉ ኸኣ ገበሩ። ድሕሪ እዚ ድማ ኣምላኽ ነታ ሃገር ተለመና።
15 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ከም ብሓድሽ ተዋግኡ። ዳዊትን ገላዉኡ ኸኣ ምስኡን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ደኸመ።
16 ይሽቢ-ብኖብ ከኣ፡ ንሱ ኻብ ወገን ራፋ፡ ሚዛን ኲናቱ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ኣስራዚ፡ ሓድሽ ሴፍ ድማ እተዐጥቀ ዝነበረ፡ ንሱ ንዳዊት ኪቐትሎ ሐሰበ።
17 ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና ረድኦ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ወቒዑ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ገላዉ ዳዊት መብራህቲ እስራኤል ከይተጥፍእሲ፡ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ፡ ኢሎም መሐሉሉ።
18 ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ኸም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሳፍ ቀተሎ።
19 ከም ብሓድሽ ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያዓሬ-ዖርጊም ብዓል ቤት-ልሄም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ ጐልያድ ብዓል ጋት ቀተሎ።
20 ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ኸኣ ኣጻብዕ ኣእዳውን ኣጻብዕ ኣእጋርን ሸሹድሽተ፡ ቊጽሪ ዂሉ ዕስራን ኣርባዕተን፡ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ራፋ እተወልደ እዩ።
21 ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ።
22 እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ፡ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ።

1 ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኲሎም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሐነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።
2 ከምዚ ኸኣ በለ። እግዚኣብሄር ከውሔይን እምባይን መድሓንየይን እዩ
3 ኣምላኽ ተስፋ ዝገብሮ ኸውሔይ እዩ፡ ዋልታይን ቀርኒ ምድሓነይን፡ ግምበይን መህደምየይን፡ ዎ መድሓንየይ፡ ካብ ዓመጻ ተድሕነኒ።
4 ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ እግዚኣብሄር እጽውዖ ኣሎኹ፡ ካብ ጸላእተይ ከኣ ክድሕን እየ።
5 ማዕበል ሞት ከቢቡኒ እዩ እሞ፡ ወሓይዝ ብልያል ኣፍርሃኒ።
6 ኣግማድ ሲኦል ከበበኒ፡ መፈንጠራታት ሞት መጸኒ።
7 ብጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡ ናብ ኣምላኸይ ከኣ ተማህለልኩ፡ ድምጸይ ድማ ካብ መቕደሱ ሰምዔ፡ ገዓረይውን ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ።
8 ሽዑ ምድሪ ተናቓነቐትን ኣንቀጥቀጠትን፡ መሰረታት ሰማይ አንደቕደቐ፡ ብዂራኡ ስለ ዝነደደ ኸኣ፡ ተናቓነቐ።
9 ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ተላዕለ፡ ካብ ኣፉ ድማ ዚባላዕ ሓዊ ወጸ፡ ካብኡ ጓህሪ ነደደ።
10 ሰማይ ኣድኒኑ ኸኣ ወረደ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
11 ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ድማ ነፈረ፡ ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ከኣ ተራእየ።
12 ነቲ ጸልማትን እኩብ ማያትን ከቢድ ደበናን፡ ኣብ ዙርያኡ ድንኳናት ገበሮ።
13 ካብቲ ነጸብራቕ ቅድሚኡ ጒሁር ሓዊ ነደደ።
14 እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፡ እቲ ልዑልውን ቃሉ ሀበ።
15 ፍላጻታት ወርዊሩ ኸኣ ፋሕ ኣበሎም፡ ኣብሪቑውን ኣሸበሮም።
16 ብተግሳጽ እግዚኣብሄር፡ ካብ ምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኡ፡ መዓሙቚ ባሕሪ ተራእየ፡ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዔ።
17 ካብ ኣርያም ልኢኹ ወሰደኒ፡ ካብ ዓበይቲ ማያት ኣውጽአኒ።
18 ካባይ ይሕይሉ ነበሩ እሞ፡ ካብቲ ሓያል ጸላእየይ፡ ካብቶም ዝጸልኡኒ ኣድሐነኒ።
19 ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ደገፍ ኰነኒ።
20 ናብ ርሒብ ኣውጽኣኒ፡ ብሂጉኒ እዩ ኣሞ፡ ኣድሓነኒ።
21 እግዚኣብሄር ከም ጸድቀይ ፈደየኒ፡ ከምቲ ጽርየት ኢደይ መለሰለይ።
22 መገድታት እግዚኣብሄር ሐልየ እየ እሞ፡ ካብ ኣምላኸይ ብበደል ኣይረሐቕኩን።
23 ኲሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ሕጋጋቱ ኣየግለስኩን።
24 ኣብ ቅድሚኡ ምሉእ ኰንኩ፡ ካብ በደለይውን ተሐሎኹ።
25 ስለዚ እግዚኣብሄር ከም ጽድቀይ፡ ከምቲ ንጽህናይ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መለሰለይ።
26 ምስቲ ሕያዋይ ሕያዋይ ትኸውን፡ምስቲ ፍጹም ሰብ ፍጹም ትኸውን።
27 ምስቲ ንጹህ ንጹህ ትኸውን፡ ምስቲ ጠዋይ ከኣ ትጠዊ።
28 ንጥቑዕ ህዝቢ ድማ ተድሕኖ ኢኻ፡ ነቶም ዕቡያት ግና ከተዋርዶም፡ ኣዒንትኻ ናባታቶም እየን።
29 ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር፡ መብራህተይ ኢኻ እሞ፡ ንጸልማተይ እግዚኣብሄር የብርሆ።
30 ብኣኻ ንጭፍራ ኽጐዮም እየ እሞ፡ ብኣምላኸይ፡ ንመንደቕ እሰርር።
31 ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ፡ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ። ንሱ ተስፋ ንዚገብርዎ ዂሎም ዋልታኦም እዩ።
32 ብጀካ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ መን እዩ፡ ብጀካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፡
33 ኣምላኽ ጽኑዕ ዕርደይ እዩ፡ ነቲ ፍጹም ድማ ብመገዱ ይመርሖ።
34 እግረይ ከም ናይ እራብ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ በረኽተይ ድማ ኣቘመኒ።
35 ነእዳወይ ውግእ፡ ንቐላጽመይ ከኣ ቀስቲ ኣስራዚ ምግታር መሀረ።
36 ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ። ምውራድካውን ኣዕበየኒ።
37 ኣብ ትሕተይ ስጓሞይ ኣግፋሕካ፡ ኣእጋረይ ከኣ ኣየንደልሀጸን።
38 ንጸላእተይ ድማ ሰጒጐ ኣጥፋእክዎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ከኣ ኣይተመለስኩን።
39 ከም ዘይትንስኡ ገይረ ድማ ወጊኤ ወዳእክዎም፡ ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።
40 ንውግእ ከኣ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፡ ነቶም እተቓወሙኒ ኣብ ትሕተይ ኣድነንካዮም።
41 ዝባን ጸላእተይ ድማ መለስካለይ፡ ነቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ኣጽነትክዎም።
42 ጠመቱ፡ ዜድሕን ግና ኣይነበረን። ናብ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ግና ኣይመለሰሎምን።
43 ሓመድ ምድሪ ኽሳዕ ዚዀኑ ድማ ደቘስክዎም፡ ከም ጭቃ ኣደባባይ ረጊጸ ሰገድክዎም።
44 ካብ ባእሲ ህዝበይ ኣድሐንካኒ፡ ርእሲ ህዝብታት ክኸውን ሐሎኻኒ፡ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዝአኒ።
45 ደቂ ጓና ድማ ይግዝኡኒ፡ ብእዝኖም ሰሚዖም ይእዘዙኒ።
46 እቶም ደቂ ጓና ወለል ይብሎም፡ ካብቲ እተዐጽዉሉ ስፍራታት እናንቀጥቀጡ ይወጹ።
47 እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ኸውሔይ ከኣ ይባረኽ። እቲ እምባ ምድሓነይ ዝዀነ ኣምላኽ ክብ ይበል፡
48እቲ ሕነይ ዝፈደየለይ ኣምላኽ፡ ንህዝብታትውን ኣብ ትሕተይ ዜውድቖም፡
49 ካብ ጸላእተይ ድማ ዜውጽኣኒ፡ ናብ ልዕሊ እቶም ተቓወምተይውን ክብ ተብለኒ፡ ካብ ዓማጺ ሰብ ተድሕነኒ።
50 ስለዚ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኤመስግነካ፡ ንስምካውን እዝምር ኣሎኹ።
51 ንንጉስ ዓብዪ ምድሓን ይህብ፡ ንቕቡኡ ድማ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን፡ ንዘለአለም ሞገስ ይህብ።

 

1 መወዳእታ ዘረባ ዳዊት ድማ እዚ እዩ፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ይብል፡ እቲ ኽብ ኣቢሉ ዘቘሞ ሰብአይ፡ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ይብል፡
2 መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ።
3 ኣምላኽ እስራኤል በለ፡ ከውሒ እስራኤል ተዛረበኒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዚነግስ፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነግስ፡
4 ንሱ ኸምቲ ደበና ዜብሉ ብጊሓት ጸሓይ እትበርቀሉ ጊዜ፡ እቲ ብድሕሪ ዝናም ብነጸብራቑ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቊለሉ፡ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
5 ቤተይሲ ምስ ኣምላኽ ከምኡ ደይኰነን፡ ግናኸ ብዂሉ እተሰርዔን እተሐለወን ኪዳን ዘለአለም እቚሙለይይ እዩ እሞ፡ ኲሉ ምድሓነይ ኲሉ ባህገይንከ ኣየብቊለለይ ድዩ፡
6 እቶም ደቂ ብልያል ኵሎም ግና ከምቲ ብኢድ ዘይትሕዝ እሞ፡ ከም ዚድርበ እሾዂ እዮም።
7 እቲ ዚትንክዮም ሰብ ግና ሓጺንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፡ ኣብታ ቦታኦም ድማ ብሓዊ ፈጺሞም ይነዱ።
8 ስም ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ዮሼብ-ባሸቤት ታሕክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሓላቑ፡ ንሱ ዓዲኖ እቲ ዔዝናዊ ዂናት ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሾሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።
9 ብድሕሪኡ ኸኣ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ ወዲ ሓደ ኣሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እየ፡ ንሳቶም ነቶም ኪዋግኡ ኣብኡ እተአከቡ ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣላገጹሎም፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ምስ ኣድሓርሐሩ፡
10 ንሱ ግና ተንሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፡ ኢዱ ኣብታ ሴፍ ክሳዕ እትለግብ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ምድሓን ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪገፉ ጥራይ ደድሕሪኡ ተመልሱ።
11 ፍልስጥኤማውያን ድማ ጨፊሮም ኣብ ሓንቲ ብርስን ዝመልኤት ግራት ተአከቡ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደመ።
12 ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሐና፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ሰዐሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ።
13 ካብቶም ሰላሳ ሓላቑ ድማ ሰለስተ ወሪዶም፡ ብጊዜ ዓጺድ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መጹ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ።
14 ሽዑ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማያን ከኣ ሽዑ ኣብ ቤት-ልሄም ነበሩ።
15 ዳዊት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፡ ኢሉ ተመነየ።
16 ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዔላ ቤት-ልሄም ማይ ቀዲሖም ጾይሮም ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐዎ እምበር፡ ኪሰትዮስ ኣይፈተወን።
17 ንሱ፡ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እዝ ምግባርሲ ኻባይ ይርሐቕ፡ በለ። ምስታዩ ኸኣ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ።
18 ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ኸኣ፡ ንሱ ነቶም ሰለስተ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣልዒሉ ንሰለስተ ኸኣ ስሙይ ነበረ፡
19 ካብቶም ሰለስተስ ዝኽበረዶ ኣይነበረን፡ ስለዚ ሓለቓኦም ኰነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን።
20 በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብአይ ብዓል ቀብጽኤል፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞአብ ቀተሎም፡ ንሱ ድማ ብጊዜ በረድ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።
21 ንሱ ኸኣ ንሓደ ምርኡይ ግብጻዊ ሰብኣይ ቀተለ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ሰብኣይ ቀተለ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ድማ ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ። ሰብኣይ ቀተለ።
22 በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።
23 ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። ዳዊት ከኣ መማኽርቱ ገበሮ።
24 ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ካብቶም ሰላሳ ሓደ እዩ፡ ኤልሓናን፡ ወዲ ዶዶ ኻብ ቤት-ልሄም፡
25 ሻማ እቲ ሓሮዳዊ፡ ኤሊቃ እቲ ሓሮዳዊ፡
26 ሔለጽ እቲ ጳልጣዊ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡
27 ኣቢዔዘር እቲ ዓናቶታዊ፡ ሜቡናይ እቲ ሑሻታዊ፡
28 ጻልሞን እቲ ኣሖሓዊ፡ መሓራይ እቲ ነጦፋታዊ፡
29 ሔለብ፡ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ ኢታይ፡ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም።
30 በናያሓደ ጲርዓቶናዊ፡ ሂዳይ ካብ ርባታት ጋዓሽ፡
31 ኣቢ-ዓልቦን እቲ ዓርባታዊ፡ ዓዝማወት እቲ ባርሑማዊ፡
32 ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ ብኔያሸን፡ ዮናታን፡
33 ሻማ እቲ ሃራራዊ፡ ኣሒያም፡ ወዲ ሻራር እቲ ሃራራዊ፡
34 ኤሊ ፈለጥ፡ ወዲ ኣሒቶፌል እቲ ጐሎናዊ፡
35 ሔጽራይ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ጳዓራይ እቲ ኣርባዊ፡
36 ዪጋል፡ ወዲ ናታን ካብ ጾባ፡ ባኒ እቲ ጋዳዊ፡
37 ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሓራይ እቲ ብኤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግረ ዮአብ ወዲ ጽሩያ፡
38 ዒራ ዪትራዊ፡ ጋሬብ ዪትራዊ፡
39 ኡርያ እቲ ሔታዊ፡ ኲላቶም ሰላሳን ሾብዓተን እዮም።

 

1 ኲራ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ኣብ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከኣ፡ ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቊጸሮም፡ ኢሉ ነቕነቖ።
2 ንጉስ ከኣ ንዮአብ፡ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት፡ ቊጽሪ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ዜርካ ነቲ ህዝቢ ቚጸሮ፡ በሎ።
3 ዮአብ ድማ ንንጉስ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘለዎ ይወስኮ፡ ከምቲ ዘለዎ ኸኣ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ድማ ይርአዮ። ግናኸ ጐይታይ ንጉስ ነዚ ነገር እዚ ስለምንታይ ደለዮ በሎ።
4 እቲ ቓል ንጉስ ግና ኣብ ዮአብን ኣብቶም ሓላቑ ሰራዊትን ጸንዔ። ዮአብን እቶም ሓላቑ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪቘጽሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ።
5 ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፡ ኣብ ዓሮዔር፡ ኣብ የማን እታ ኣብ ማእከል ርባ ጋድ ዘላ ኸተማ፡ ንያዕዜር ኣቢሎም ሰፈሩ።
6 ናብ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ናብ ምድሪ ታሕቲም-ሖድሺ አተዉ፡ ናብ ዳን-ያዓን መጺኦም ከኣ፡ ናብ ዙርያ ሲዶን ኣበሉ።
7 ናብ ዕርዲ ጢሮስን ናብ ኲለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነኣናውያንን መጹ፡ ናብ ደቡብ ይሁዳ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ወጹ።
8 ንብሃገራ ዞይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ።
9 ዮኣብ ድማ ጽሕፈት እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንንጉስ ሀቦ። እምበእርሲ ኣብ እስራኤል ሴፍ ዚመዙ ሓያላት ሰብ ሾሞንተ ሚእቲ ሽሕ ኰኑ፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ኰነ።
10 ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ ግና፡ ልቡ ወቕዖ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፡ ብዙሕ ከኣ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ በጃካ፡ ነቲ ኣበሳ ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ።
11 ዳዊት ንጉስ ምስ ተንስኤ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ጋድ፡ ናብቲ ናይ ዳዊት ረአዪ መጺኡ በሎ፡
12 ኪድ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር፡ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኤን ንኣኻ ሓንቲ ሕረ፡ ክገብረልካ ኸኣ እየ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ተዛረቦ።
13 ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ኣብ ሃገርካ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ፡ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትሀድም፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰጉኻዶ፡ ወይስ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ኪከውንዶ፡ ሕጂ ነቲ ዝለአኸኒ እንታይ ከም ዝመልሰሉ፡ ኣስተውዒልካ ርኤ፡ ኢሉ ነገሮ።
14 ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደአ ንወድቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ።
15 ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር- ሸባዕ፡ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ።
16 እቲ መልኣኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሔ ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ ኽፉእ ተጣዕሰ፡ ነቲ ህዝቢ ዜጥፍእ መልኣኽ ከኣ፡ ይአክል፡ ሕጅስ ኢድካ ምለሳ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ ነበረ።
17 ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፡ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ እየ ዝበደልኩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ በጃኻ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ቦይን ትኹን፡ በለ።
18 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ጋድ ናብ ዳዊት መጹኡ፡ ደይብ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ፡ ንእግዚኣብሄር መሰዉኢ ኣቚም፡ በሎ።
19 ዳዊት ድማ ከምቲ ዘረባ ጋድ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ደየበ።
20 ኣራውና ኸኣ ቊሊሕ በለ፡ ንጉስን ገላዉኡን ድማ ናብኡ ኺመጹ ረአየ። ኣራውና ኸኣ ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።
21 ኣራውና ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ ዘሎ፡ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኺኽልክል፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሓሉ፡ ነዚ ዓውዲ ኻባኻ ኽሻየጥ እየ፡ በለ።
22 ኣራውና ድማ ንዳዊት፡ ጐይታይ ንጉስ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ወሲዱ የዕርግ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣብዑር፡ ንዕጨይቲ ኸኣ ሰረገላታትን ናውቲ ማሕረስ ኣብዑርን እነዉ፡
23 ዎ ንጉስ፡ እዚ ዂሉ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ፡ በለ። ኣራውና ድማ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደአ ይቀበልካ፡ በሎ።
24 ንጉስ ግና ንኣራውና፡ ኣይፋል፡ ዋጋ ዜብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዚሐርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብዋጋኡ ደአ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዐደጎም።
25 ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረገሉ። እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ካብ እስራኤል ተኸልከለ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...