ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ነገሥት ቀዳማዊ 1 (1 kings)

እታ ኣብ መጽሓፍ 1 ንጉስ እትርከብ መጽሓፍ ብዛዕባ ሞት ዳዊትን ብዛዕባ እቲ ንሰሎሞን ወዱ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋንን ብዛዕባ ምውዳቕን መንግስቲ እስራኤል ድሕሪ ሰሎሞንን ብዙሓት ወራሲኡን ናብ ኣምልኾ ጣኦት ከም እተወድአት እያ እትገልጽ። ንኣገልግሎት ነብዪ ኤልያስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዝነበሩ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል እውን ይገልጾ እዩ ። ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ 1 ንጉስ ብምንባብን ብምምሃርን ንኣገዳስነት እቲ ንጐይታ ኣብ ቤተ መቕደሱ ምምላኽ ኣብ ኪዳን ምምርዓው ቅኑዕ ምርጫ ምግባር ከምኡውን ንድምጺ ጐይታ ምስማዕን ምርዳእን ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽርድኡ ዝሕግዞም ሓቅታት ክመሃር ይኽእል ኢዩ።

መጽሐፈ ነገሥት ቀዳማዊ 1 (1 kings)

1 ንጉስ ዳዊት ድማ ዕለቱ ዝሐለፈ ኣረጊት ኰነ። ክዳውንቲ ኸኣ ደረቡሉ፡ ግናኸ ኣይሞቐን።
2 ስለዚ እቶም ገላዉኡ፡ ንጐይታና ንጉስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈይማ እትአልዩ፡ ጐይታይ ንጉስ ምእንቲ ኺመውቕ ከኣ ኣብ ሕቚፍኻ እትድቅስ ድንግል ጓል ይድለዩሉ፡ በልዎ።
3 ሽዑ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል መልክዔኛ ጓል ደለዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ ሱናማዊት ረኸቡ፡ ንእኣ ድማ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ።
4 ንሳ ኣዝያ መልክዔኛ ነበረት፡ ንንጉስ ከኣ ትአልዮን ተገልግሎን ነበረት፡ ንጉስ ግና ኣይፈለጣን።
5 ሽዑ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት፡ ኣነ ኽነግስ እየ፡ ኢሉ ተላዕለ። ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ከኣ ገበረ።
6 ኣቦኡ ድማ ብዘሎ ዘመኑ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚ እትገብር ዘሎኻ፡ ኢሉ ኣየጒሀዮን። ንሱ ኸኣ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፡ ንእኡ ድማ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ዝወለደቶ።
7 ነገሩ ኸኣ ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን ነበረ፡ ንሳቶም ድማ ንኣዶንያ ስዒቦም ደገፍዎ።
8 ካህን ጻዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን ሺምዒን ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያ ኣይኰኑን።
9 ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔን-ሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባትይን ሐረደ። ንዂሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዂሎም ገላዉ ንጉስ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ከኣ ጸውዖም።
10 ንነብዪ ናታንን ንበናያን ነቶም ጀጋኑን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይጸውዖምን።
11 ሽዑ ናታን ንባትሴባ ኣደ ሰሎሞን፡ ጐይታና ንጉስ ከይፈለጠ፡ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ፡ በላ።
12 ሕጂ ድማ ንነፍስኽን ነፍሲ ሰሎሞን ወድኽን ከተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ምኽሪ ኽመኽረኪ።
13 ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ ንገረድካ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ እዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን፡ ስለምንታይ ደአ ኣዶንያ ነገሰ፡በልዮ።
14 እንሆ፡ ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸሎኺ፡ ኣነ ኸኣ ብድሕሬኺ አትየ ዘረባኺ ኽምልኣልኪ እየ፡ በለ።
15 ባትሴባ ከኣ ናብ ንጉስ ኣብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ከኣ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት።
16 ባትሴባ ድማ ድንን ኢላ ንንጉስ ኢድ ነስኣትሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ደሊኺ ኢኺ፡ በላ።
17 ንሳ ድማ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ ኢልካ፡ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ነበርካ።
18 ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ኣይፈለጥካዮን።
19 ንሱ ድማ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱስ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ጸዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ጊልያኻ ግና ኣይጸውዖን።
20 ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ዚቕመጥ ክትነግሮም፡ ኣዒንቲ ዂሎም እስራኤል ናባካ ይጥምታ ኣለዋ፡
21 እተን ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዐረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመጽቲ ኽንከውን ኢና።
22 እንሆ ድማ፡ ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ፡ ነብዪ ናታን አተወ።
23 ንንጉስ ከኣ፡ እንሆ ነብዪ ናታን፡ ኢሎም ነገርዎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።
24 ናታን ድማ በለ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ኣዶንያ ይንገስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥዶ ኢልካ ኢኻ፡
25 ንሱስ ሎሚ ወሪዱ፡ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንሓላቑ ሰራዊትን ንኻህን ኣብ ያታርን ጸዊዕዎም፡ እነዉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ንጉስ ኣዶንያ ህያው ይኹን፡ ድማ ይብሉ ኣለዉ።
26 ንኣይ ጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንን ግና ኣይጸውዓናን።
27 ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ መን ከም ዚቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካንስ፡ እዚ ነገር እዚዶ ኻብ ጐይታይ ንጉስ ኰይኑ እዩ፡
28 ሽዑ ንጉስ ዳዊት መሉሱ፡ ንባትሴባ ጸውዑለይ፡ በለ። ንሳ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወት፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ደው በለት።
29 እቲ ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሓነ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡
30 ከምቲ፡ ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ኪነግስ፡ ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሐልኩልኪ፡ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ።
31 ሽዑ ባትሴባ ድንን ኢላ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ኢድ ነሲኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለአለም ህያው ይኹን፡ በለት።
32 ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንባናያ የሆያዳን ጸውዑለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ መጹ።
33 እቲ ንጉስ ድማ በሎም፡ ንገላዉ ጐይታኹም ምሳኹም ተማሊእኩም ናብ ጊሖን ኣውርድዎ።
34 ኣብኡ ኸኣ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ።
35 ድሕሪኡ ስዒብኩም ከኣ ደይቡ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ክንዳይ ይንገስ፡ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መስፍን ኪኸውን ኣዚዘ እየ።
36 በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣሜን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበል፡
37 እግዚኣብሄር ከምቲ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ሰሎሞን ይኹን፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ፡ ኢሉ መለሰ።
38 ሽዑ ኻህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ ወዲ የሆያዳን ክረታውያንን ጵለታውያንን ወረዱ፡ ንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም ናብ ጊሖን ወሰድዎ።
39 ካህን ጻዶቅ ድማ ካብ ድንኳን ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ።
40 ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ እምብልታ እናወቕዑ፡ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሱ፡ ብጭድርታኦምውን ምድሪ ተጨደት።
41 ኣዶንያን ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ጽውዓትን ድማ፡ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ሰምዕዎ። ዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዔ፡ እዚ ኣብ ከተማ ዚስማዕ ዘሎ ጭራሕምራሕ እንታይ እዩ፡ በለ።
42 ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸ፡ ኣዶንያ ድማ፡ ኣታ ጽቡቕ እተበስር ሃብሮም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እቶ፡ በለ።
43 ዮናታን ከኣ ንኣዶንያ መሊሱ በሎ፡ ብሓቂ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ።
44 እቲ ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንክረታውያንን ንጵለታውያንን ምስኡ ሰደዶም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጥሕዎ።
45 ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ንጉስ ኪኸውን ኣብ ጊሖን ቀብእዎ። ካብኡ ኸኣ ተሐጒሶም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ዕግርግር በለት። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫው እዚ እዩ።
46 ሰሎሞን ከኣ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ተቐመጠ።
47 እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ አትዮም፡ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ኣምላኽካ ንስም ሰሎሞን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮ፡ ኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ።
48 ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኣዒንተይ እናረአያ ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ዝሀበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሩኽ ይኹን፡ በለ።
49 ሽዑ እቶም ኣዶንያ ዝጸውዖም ኲሎም ፈርሁ፡ ተንሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመገዶም ከዱ።
50 ኣዶንያ ኸኣ ንሰሎሞን ፈሪሁ ተንስኤ፡ ከይዱ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ኣጽኒዑ ሐዘ።
51 ንሰሎሞን፡ ከኣ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሴፍ ከይቀትሎ ሎሚ ይምሐለለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ።
52 ሰሎሞን ከኣ፡ ሕያዋይ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ ጸጒሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን፡ ክፉእ እንተ ተረኽቦ ግና፡ ኪመውት እዩ፡ በለ።
53 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ለአኸ እሞ፡ ካብቲ መሰውኢ ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነስአሉ። ሰሎሞን ድማ፡ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ።

 

1 ዳዊት ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት እሞ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡
2 ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ጽኑዕ፡ ሰብአይ ከኣ ኹን።
3 እቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኺቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉ፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ።
4 እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽሞ፡ እቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ፡ መገዶም እንተ ሐለዉ፡ ሽዑ ኻብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣየቋርጸልካን እየ፡ በለኒ።
5 እቲ ዮአብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፡ እቲ ንኣብኔር ወዲ ኔርን ንዓማሳ ወዲ የተርን፡ ነቶም ክልተ ሓላቑ ሰራዊት እስራኤል፡ ዝገበሮም፡ ንኣታቶም ቀቲሉ፡ ብጊዜ ሰላም ደም ውግእ ኣፍሰሰ፡ ኣብቲ ኣብ ሕቜኡ ዝነበረ ቕናቱን ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ሳእኑን ድማ ደም ገበረ።
6 እምበአር ከም ጥበብካ ግበሮ፡ ንሽበቱ ብሰላም ናብ ሲኦል ኣይተውርዶ።
7 ንደቂ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ግና፡ እቲ ኻብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሀድም ከሎኹ ቀሪቦምኒ እዮም እሞ፡ ከምኡ ምሕረት ግበረሎም፡ ምስቶም ኣብ መአድኻ ዚበልዑ ይኹኑ።
8 እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፡ ብዓል ባሑሪም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፡ ግናኸ ንሱ ናብ ዮርዳኖስ ወሪዱ ተቐበለኒ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሴፍ ኣይክቐትለካን እየ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሐልኩሉ።
9 ሕጂ ኸኣ ብዘይ ቅጽዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ፡ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ ሽበቱ ብደም ለኺኻ ድማ ናብ ሲኦል ኣውርዶ።
10 ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ተቐብረ።
11 እቲ ዳዊት ኣብ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን ሾብዓተ ዓመት ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
12 ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣብኡ ዳዊት ተቐመጠ፡ ስልጣን መንግስቱውን ኣዝያ ጸንዔት።
13 ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ድማ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ኸኣ፡ ብደሓንዶ መጺእካ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደሓን እየ፡ በላ።
14 ምሳኺ ደአ ዘረባ ኣሎኒ፡ ድማ በለ። ተዛረብ፡ በለቶ።
15 ንሱ ኸኣ፡ መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፡ ኲሎም እስራኤልውን ኣነ ኽነግሶም ገጾም ኣባይ ከም ዝነበረ፡ ባዕልኺ ትፈልጢ ኢኺ። እታ መንግስቲ ግና፡ ካብ እግዚኣብሄር ንእኡ ዀይን እያ እሞ፡ ዞይራ ንሓወይ ኰነት።
16 ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍርኒ፡ በላ። ተዛረብ፡ በለቶ።
17 ንሱ ድማ፡ ንንጉስ ሰሎሞን፡ ንሱ ንገጽኪ ኣየሕፍርን እዩ እሞ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ኪህበንስ፡ በጃኺ፡ ተዛረብዮ፡ በላ።
18 ባትሴባ ኸኣ፡ ጽቡቕ፡ ንንጉስ ስሌኻ ኽዛረቦ እየ፡ በለት፡
19 ባትሴባ ድማ ብናይ ኣዶንያ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን አተወት። እቲ ንጉስ ከኣ ኪቕበላ ተንስኤ፡ ኢድ ድማ ነስኣላ፡ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ፡ ነደ ንጉስውን ዝፋን ኣምጽኣላ እሞ፡ ብየማኑ ተቐመጠት።
20 ንሳ ኸኣ፡ ካባኻ ሓደ ንእሽቶ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍረኒ፡ በለቶ። ንጉስ ድማ፡ ኣደየ፡ ገጽኪ ኣየሕፍረክን እየ እሞ፡ ለምኒ፡ በላ።
21 ንሳ ኸኣ፡ ኣቢሳግ እታ ሱላማዊት፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ፡ ንሓውካ ኣዶንያ ትወሀብ፡ በለት።
22 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ነዲኡ፡ ንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት እትልምንሉ ስለምንታይ ኢኺ፡ ንሱ ኻባይ ዚዐቢ ሓወይ እዩ እሞ፡ እዛ መንግስቲውን ለምንሉ፡ ንእኡ፡ ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ወዲ ጽርያን ከኣ፡ ኢሉ መለሰላ።
23-24 ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ንፍሱ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒ፡ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኺመውት እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለ።
25 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ሰደዶ፡ ንሱ ድማ ወቕዖ፡ ሞተ ክኣ።
26 ንጉስ ከኣ ንኻህን ኣብያታር፡ ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ሰብ ኢኻ፡ ግናኸ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡ ኣብ ኲሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፡ ሎሚ ኣይቐትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻ፡ ናብ ዓናቶት ኪድ፡ በሎ።
27 በዚ ኸምዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ካብ ምዃን ሰዐሮ።
28 ዮኣብ ድማ፡ ምንም እኳ ንኣቤሴሎም እንተ ዘይሰዐበ፡ ንኣዶንያ ስዒቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ወረ ኣብ ዮአብ ምስ መጸ፡ ዮአብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ሀዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ቐጥ ኣቢሉ ሐዞ።
29 ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሀደመን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ድማ ከም ዘሎን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ነገርዎ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያ ወዲ የሆያዳ፡ ኬድካ ቕተሎ፡ ኢሉ ሰደዶ፡
30 በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር መጺኡ፡ ንጉስ፡ ውጻእ፡ ይብል ኣሎ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ ኣብዚ ደአ እመውት፡ በለ። በናያ ድማ፡ ዮአብ ከምዚ ተዛሪቡኒ፡ ከምዚውን መሊሱለይ፡ ኢሉ እቲ ነገር ንንጉስ መለሰሉ።
31 ንጉስ ከኣ፡ ከምቲ ዝበሎ ግበር፡ ውደቆ እሞ ቅበሮ፡ ነቲ ዮኣብ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ።
32 ነቶም ካብኡ ዚጸድቁን ዚጸድቁን ዚሔሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፡ ንኣብኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓማሳ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፡ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ፡ ጠቒዑ ብሴፍ ስለ ዝቐተሎም፡ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊ ርእሱ ይምለሰሉ።
33 እወ፡ ደሞም ንዘለአለም ናብ ርእሲ ዮአብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ይመለስ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና ካብ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ሰላም ይኹን፡ በሎ።
34 ሽዑ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐብረ።
35 ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ንኻህን ጻዶቅ ከኣ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ገበሮ።
36 እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ ኣብ የሩሳሌም ቤት ሰሪሕካ ኣብኡ ተቐመጥ፡ ካብኣ ድማ ናብዝን ናብትን ኣይትውጻእ።
37 ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ወጺእካ ንርባ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ ይኹን፡ በሎ።
38 ሺምዒ ኸኣ ንንጉስ፡ ጽቡቕ ዘረባ እዩ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ፡ ጊልያኻ ኸምኡ ይገብር፡ በሎ። ሺምዒ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ።
39 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ገላዉ ሺምዒ ናብ ኣኪሽ ወዲ ማዓካ፡ ንጉስ ጋት፡ ሀደሙ። ንሺምዒ ድማ፡ ገላዉኻ እነዉ ኣብ ጋት፡ ኢሎም ነገርዎ።
40 ሽዑ ሺምዒ ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ገላዉኡ ኺደልዮም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኸይዱ ነቶም ገላዉኡ ኻብ ጋት ኣምጽኦም።
41 ሺምዒ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ኸም እተመልሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ።
42 እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ በታ ወጺእካ ናብዝን ናብትን እትኸደላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣስሚዔልካንዶ ኣይነበርኩን፡ ንስኻውን፡ እዚ ዝሰማዕክዎ ዘረባ ጽቡቕ እዩ፡ በልካኒ።
43 ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝአዘዝኩኻ ትእዛዝን ደአ ስለምንታይ ኢኻ ዘይሐሎኻዮ፡ በሎ።
44 ንጉስ ድማ ንሺምዒ፡ እቲ ልብኻ ዚፈልጦ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዂሉ ኽፉእ ነገር ባዕልኻ ትፈልጦ ኣሎኻ። እቲ ኽፍኣትካ ድማ እግዚኣብሄር ናብ ርእስኻ ይምለሰልካ።
45 ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹን፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ጽኑዕ ይኹን፡ በሎ።
46 ንጉስ ድማ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፡ ንሱ ወጺኡ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። እታ መንግስት ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዔት።

 

1 ሰሎሞን ድማ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሕምነት ገበረ እሞ፡ ንጓል ፈርኦን ወሰዳ፡ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን እቲ ንየሩሳሌም ዚኸብብ ቀጽርን ነዲቑ ኽሳዕ ዚውድእ ከኣ፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ።
2 ክሳዕ እተን መዓልትታት እቲኤን ገና ንስም እግዚኣብሄር ቤት ኣይተሰርሔን ነበረ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኽቲ ጥራይ ይስውእ ነበረ።
3 ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ፈተዎ እሞ፡ ብሕጋጋት ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ኣብ በረኽቲ ግዳ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ፡
4 ጊብዖን፡ ንሳ እታ ዓባይ ኲርባ ነበረት እሞ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብኣ ኺስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቲ ኸአ ሰሎሞን ሽህ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገ።
5 ኣብ ጊብዖን እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ በለ።
6 ሰሎሞን ድማ በለ። ንስኻ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ኣብ ቅድሜካ ብእመንትን ብጽድቅን ብቕንዕና ልብን ምሳኻ እተመላለሶ፡ ብዙሕ ምህረት ገበርካሉ። ነዚ ዓብዪ ምሕረት እዚ ሐሊኻ ኸኣ፡ ከምዚ ሎሚ ኰይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ወዲ ሀብካዮ።
7 ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፡ ኣነ ኸኣ መውጽእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽቶ ጐበዝ እየ።
8 ባርያኻ ድማ ኣብ ማእከል እዚ ዝሐሬኻዮ ህዝብኻ፡ ኣብ ማእከል እዚ ስለ ምብዛሑ ዘይቊጸርን ዘይጽብጸብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘሎኹ።
9 ነዚ ብዙሕ ህዝብኻ እዚ ደአ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበአርሲ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡ ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሀቦ።
10 ሰሎሞን እዚ ነገር እዚ ስለ ዝለመነ ድማ፡ ነገሩ ንጐይታይ ባህ ኣበሎ።
11 ኣምላኽ ከኣ በሎ፡ ነዊሕ ዕድመ ኣይለመንካን፡ ሃብቲውን ኣይለመንካን፡ ነፍሲ ጸላእትኻ ድማ ኣይለመንካን፡ እዚ ነገር እዚ ደአ ስለ ዝለመንካ፡ ፍርዲ ንምፍላይ ምስትውዓል ስለ ዝለመንካ፡
12 እንሆ ከምቲ ዘረባካ ገበርኩልካ፡ እንሆ፡ ብቕድሜኻ ኸማካ ዝበለ ዘይነበረ ብድሕሬኻውን ከማኻ ዝበለ ዘይትንስእ፡ ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ ሂበካ ኣሎኹ።
13 ምስኡ ድማ፡ ብዂሉ ዘመንካ ኣብ መንጎ ነገስታት ከማኻ ዝበለ ዘይርከብ ገይረ ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሀብኩኻ።
14 ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝኸዶ ኸኣ፡ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን ክትሕሉ፡ ብመገደይ እንተ ኸድካ፡ ዕድሜኻ ኸንውሕ እየ።
15 ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕልሚ እዩ ዝነበረ። ናብ የሩሳሌም መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቈመ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ኣዕረገ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዂሎም ገላዉኡ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።
16 ሽዑ ኽልተ ኣምናዝር ኣንስቲ ናብ ንጉስ መጺኤን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ።
17 እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ በለት፡ ዎ ጐይታይ፡ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ ኸሎኹ ኸኣ ወለድኩ።
18 ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልስቲ እታ ዝወለድክል መዓልቲ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣውን ወለደት። ንህና ኸኣ ብሓንሳእ ነበርና፡ ኣብታ ቤት ድማ በጃካ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብታ ቤትሲ ጓና ምሳና ኣይነበረን።
19 ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ግና፡ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት፡ ለይቲ ሞተ።
20 ፍርቂ ለይቲ ተንሲኣ ኸኣ፡ ገረድካ ደቂሳ ኸላ፡ ነቲ ወደይ ካብ ጐድነይ ወሲዳ ኣብ ሕቚፉ ኣደቀሰቶ፡ ነቲ ምውት ወዲ ግና ኣብ ሕቚፈይ ኣደቀሰቶ።
21 ንግሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ እንተ ተንሳእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሞይቱ ጸንሔ። ንግሆ ምስ ጠመትክዎ ኸኣ፡ እንሆ፡ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይኰነን።
22 እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እዚ ህያውሲ ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ በለት። እዚኣ ድማ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ በለት። በዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተዛራረባ።
23 ሽዑ እቲ ንጉስ፡ እዚኣ፡ እዚ ህያው ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ ትብል ኣላ፡ እዚ ኣ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ ትብል ኣላ፡ በለ፡
24 እቲ ንጉስ ድማ፡ ሴፍ እሞ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ ሴፍ ኣምጽኡ።
25 እቲ ንጉስ ድማ፡ ነዚ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጽኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፡ እቲ ፈረቓ ኸኣ ነታ ሓንቲ ሀብወን።
26 ሽዑ እታ እቲ ህያው ወዳ ዝነበራ ሰበይቲ፡ ስለ ወዳ ኣምዑታ ተናወጸ እሞ፡ እቲ ንጉስ፡ ዎ ጐይታይ፡ እዚ ህያው ሕጻን ንእኣ ሀብዋ እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልኣይቲ ግና፡ ንኣይ ወይስ ንኣኺ ኣይኹን፡ ቊረጽዎ ደኣ፡ በለት።
27 ሽዑ ንጉስ፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ እዚ ህያው ሕጻን ነዚኣ ሀብዋ፡ ኣዲኡ ንሳ እያ፡ ኢሉ መለሰ።
28 ነዚ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዑ። ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ ረአዩ እሞ፡ ንንጉስ ፈርህዎ።

 

1 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኰነ።
2 ሹማምቱ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣዛርያ ወዲ ጻዶቅ፡ ካህን፡
3 ኤሊሖረፍን ኣሒያን፡ ደቂ ሺሻ፡ ጸሓፍቲ ነበሩ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፡ ጸሓፍ ዛንታ፡
4 በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ሓለቓ ሰራዊት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ፡
5 ኣዛርያ ወዲ ናታን ከኣ ንንጉስ ኣማካሪኡን ፈታዊኡን ነበረ።
6 ኣሒሻር ኣዛዝ ቤት፡ ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ ድማ ግብሪ ዜኽፍል እዩ ዝነበረ።
7 ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሹማምቲ ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኺምግቡ መዚ ነበሮም።
8 ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ቤን-ሑር ኣብ ከረን ኤፍሬም፡
9 ቤን-ደቀር ኣብ ማቃዝን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤት-ሸመስን ኣብ ኤሎን-ቤት-ሓናን፡
10 ቤን-ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፡ ሸኮት ብዘላ ምድሪ ሔፍርን ንእኡ ነበረ።
11 ቤን-ኣቢናዳብ ኣብ ብዘሎ ሃገር ዶር። ጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ነበረት።
12 ባዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን ኣብ ብዘላ ቤት-ሸኣን፡ እታ ኣብ ጎቦ ጻሬታን፡ ብትሕቲ ዪዝርሔል፡ ካብ ቤት-ሸኣን ክሳዕ ኣቤል-ሚሖላ፡ ክሳዕ ስግር ዮቕመዓም ዘላ፡
13 ቤን-ገበር ኣብ ራሞት ጊልዓድ፡ እተን ኣብ ጊልዓድ ዘለዋ ዓድታት ያኢር ወዲ ምናሴ ንእኡ ነበራ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ዕርድታትን መሸጐሪ ኣስራዝን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ዘለዋ ድማ ንእኡ ነበረት።
14 ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናይም፡
15 ኣሒማዓጽ ኣብ ንፍታሌም፡ ንሱ ድማ ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ።
16 ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን ኣብ ዓሎትን፡
17 ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር፡
18 ሺምዒ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፡
19 ጌበር ወዲ ኡር ኣብ ሃገር ጊልዓድ፡ እታ ናይ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ኦግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ንሱ በይኑ ሹም ነበረ።
20 ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ።
21 ሰሎሞን ድማ ካብቲ ርባ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዂሎም መንግስትታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ንሰሎሞን ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ገጽ በረከት የምጽኡሉን ይግዝእዎን ነበረ።
22 ምግቢ ሰሎሞን ከኣ ነንመዓልቲ ሰላሳ ቆሮስ ድኹም ሓሪጭ፡ ስሳ ቆሮስ ድማ ካልእ ሓሪጭ፡
23 ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑርን ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰይን ሚእቲ በጊዕን ነበረ፡ እዚ ድማ ብዘይ እራባትን ሰሰውሕን ዓጋዝንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ።
24 ንሱ ድማ ነታ ኣብ ክነጀው ርባ ዘላ ዂላ ሃገር፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳዕ ጋዝ ነቶም ክነጀው ርባ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብዂሉ ወገን ሰላም ነበሮ።
25 ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ፡
26 ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛታት ነበርዎ።
27 እቶም ሹማምቲ እቲኣቶም ድማ ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ናብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዚቐርቡ ዂላቶምን ነፍሲ ወከፍ ወወርሖም ይምግቡ ንበሩ፡ ገለ ነገር እኳ ኣየጒድሉን ነበሩ።
28 ነፍራስን ነቶም ጋለብት ኣፍራስን ዚኸውን ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተሰርዖ ስገምን ሓሰርን ናብታ ንሱ ዘለዋ ቦታ የምጽኡ ነበሩ።
29 ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሃቦ።
30 ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኲሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኲሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ።
31 ካብ ኲሉ ሰብ ከኣ፡ ካብ ኤታን እት እዝራሓውን ካብ ሄማንን ካልኮል ዳርዳን፡ ደቂ ማሖል፡ ይጠብብ ነበረ። ስሙ ኸኣ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ወጸ፡
32 ሰለስተ ሽሕ ምስላ ድማ መሰለ፡ መዝሙራቱውን ሽሕን ሓሙሽተን ነበረ።
33 ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቊል ስምዕዛ ተዛረበሉ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ።
34 ካብ ኲሎም ህዝብታት ድማ፡ ካብቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዂሎም ነገስታት ምድሪ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ።

 

1 ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ፡ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኺነግስ ከም እተቐብኤ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ሒራም ከኣ ኲሉ ጊዜ ፈታው ዳዊት ስል ዝነበረ፡ ገላዉኡ ሰደደሉ።
2 ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም በሎ፡
3 ኣቦይ ዳዊት ብሰሪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፡ እግዚኣብሄር ንኣታቶም መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚገብሮም፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ኪሰርሕ ከም ዘይተኻእሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።
4 ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዂሉ ዙርያ ኣዕሪፋኒ እዩ፡ ገለ ተጻራሪ የልቦን፡ ገለ ናይ ድንገት ነገር ድማ የልቦን።
5 እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት፡ እቲ ኣብ ክንዳኻ ኣብ ዝፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሃሉ እሐስብ ኣሎኹ።
6 ሕጂ ኸኣ ካባናስ ከም ሲዶናውያን ገይሩ ምቚራጽ ኦም ዚፈልጥ ከም ዜልብ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ቄድሮስ ኪቘርጹለይ ኣዝዝ። ገላዉኻ ድማ ከምቲ እትብለኒ ዂሉ ገይረ ኽህበካ እየ።
7 ኰነ ኸኣ፡ ሒራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተሐጒሱ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ጥበበኛ ወዲ ዝህቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ብሩኽ ይኹን፡ በለ፡
8 ሒራም ድማ ናብ ሰሎሞን ልኢኹ፡ እቲ ዘለአኽካለይ ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ ብዛዕባ ኣእዋም ቄድሮስን ብዛዕባ ኣእዋም ጽሕድን ኣነ ዂሉ ድላይካ ኽገብር እየ።
9 ገላዎይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኼውርድዎ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ጠሚረ ብባሕሪ ገይረ ናብታ እትልእከለይ ቦታ ኣብዚሔ ኣብኡ ኽፈትሖ እየ፡ ንስኻውን ትወስዶ። ንስካ ድማ ንቤተይ ምግቢ ብምሃብካ ድላየይ ትገብረለይ፡ በሎ።
10 ሒራም ከኣ ንሰሎሞን ኣእዋም ቄድሮስን ኣእዋም ጽሕድን ዝደለዮ ዘበለ ሀቦ።
11 ሰሎሞን ከኣ ንሒራም ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዕስራ ቆሮስ ጽሩይ ዘይትን ንምግቢ ቤቱ ዚኸውን ሀቦ። ሰሎሞን ንሒራም ዓመት ንዓመት ከምኡ ይህቦ ነበረ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ጥበብ ሀቦ። ኣብ መንጎ ሒራምን ሰሎሞንን ከኣ ሰላም ነበረ፡ ክልቲኣቶም ድማ ኪዳን ተአታትዉ።
13 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ካብ ብዘሎ እስራኤልስ ሐርዩ ዓየይቲ ኣከበ፡ እቶም ዓየይቲ ኸኣ ሰላሳ ሽህ ኰነ።
14 እናባራረየ ድማ በብወርሒ ዕሰርተ ሽህ ናብ ሊባኖስ ይሰዶም ነበረ። ሓደ ወርሂ ኣብ ሊባኖስ፡ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ነበሩ፡ ኣዶኒራም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓየይቲ ነበረ።
15-16 ድማ ብዘይ እቶም ነቲ ኣብ ዕዮ ዚዐዪ ህዝቢ ኺእዝዙ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ እተሸሙ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓልቑ ሹማምቲ ሰሎሞን ንሰሎሞን ጾር ዚጾሩ ሰብዓ ሽሕ፡ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ ኸኣ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ።
17 ንጉስ ድማ እታ ቤት ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትሲ፡ ገዘፍቲ ኣእማንን ክቡራት ኣእማንን ኪዂዕቱ ኣዘዘ።
18 እቶም ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ሒራምን እቶም ጊብላውያንን ኰይኖም ከኣ ንመስርሒ እታ ቤት ኣዕጻውን ኣእማንን ቈረጹን ኣዳለዉን።

1 ኰነ ድማ፡ በታ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፡ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ምንጋስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ኣብ ወርሂ ዚፍ፡ ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ምስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ጀመረ።
2 እታ ንጉስ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቤት ድማ ምንዋሓ ስሳ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቁመታውን ሰላሳ እመት ነበረ።
3 እቲ ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ምንዋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ ዓሰርተ እመት ነበረ።
4 ነታ ቤት ድማ ዘይነቓነቕ መሳዂቲ ዓይነ ርግቢ ገበረላ።
5 ምስ መንደቅ እታ ቤት ኣጸጊዑ ኸኣ ኣብ ዙርያኣ፡ ኣብ ጸግዒ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ክፍልታት ቤት ሰርሔ።
6 እቲ ኣግማል ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕ እታ ቤት ከይተሐዝሲ፡ ኣብቲ መንደቕ እታ ቤት ብግዳም ዙርይኣ ሕድጋት ገበረላ እሞ፡ እታ ታሕተይቲ ኽፍሊ ምግፋኣ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሹድሽተ እመት፡ እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ምግፋሓ ሾብዓተ እመት ነበረ።
7 እታ ቤት ክትስራሕ ከላ ኸኣ፡ ኣብቲ እተዃዕተላ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማንን ተሰርሔት እሞ፡ ክትስራሕ ከላ ሞደሻ ዀነ፡ ምሳር ኰነ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ሓጺን ኣብታ ቤት ኣይተሰምዔን።
8 ደገ እታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት፡ ካብታ ማእከለይቲ ናብታ ሳልሰይቲ ድማ ብተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ።
9 ነታ ቤት ከኣ ሰርሓ ፈጸማውን። ነታ ቤት ከኣ በግማልን በኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና።
10 ኣብ ብዘሎ ጸግዒ እታ ቤት ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሔ፡ ምስታ ቤት ከኣ በእዋም ቄድሮስ ኣጋጠምዎ።
11 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መጸ፡
12 ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘሎኻ ቤት፡ ብሕጋጋተይ እንተ ኸድካ፡ ፍርድታተይ ከኣ እንተ ገበርካ፡ ንዂሉ ትእዛዛተውን ክትከደሉ እንተ ሐሎኻዮ፡ እቲ ነቦኻ ዳዊት እተዛረብክዎ ቓለይ ምሳኻ ኸጽንዖ እየ።
13 ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ክነብር እየ፡ ንህዝበይ እስራኤል ከኣ ኣይሐድጎን እየ።
14 ሰሎሞን ድማ ነታ ቤት ሰሪሑ ፈጸማ።
15 ንመንደቕ እታ ቤት ብወገን ውሽጣ ኸኣ ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ነቲ ውሽጢ ብዕጨይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብኣልዋሕ ጽሕዲ ኸደኖ።
16 ንውሻጠ እታ ቤት ድማ ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕላይ መንደቕ ዕስራ እመት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ፡ እዚ ኽኣ ንቤት ራእይ ኪዀኖ፡ ንቅድስተ ቅዱሳን ሰርሖ።
17 እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ቤት፡ ንሱ ድማ እቲ መቕደስ፡ ኣርብዓ እመት ነበረ።
18 ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ኣጒማን ክፉት ዕምባባን እተቐርጸ ቄድሮስ ነበረ። ኲሉ ቄድሮስ ነበረ፡ እምኒ እኳ ኣይተራእየን፡
19 ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣብ ውሽጡ፡ ኣብኡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኬንብረሉ፡ ቤት ራእይ ኣዳለወ፡
20 ውሽጢ እቲ ቤት ራእይ ከኣ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ከኣ ዕስራ እመት፡ ቊመቱውን ዕስራ እመት ነበረ፡ ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጦ፡ ነቲ መሰውኢ ድማ ብቄድሮስ ከደኖ።
21 ሰሎሞን ከኣ ነቲ ቤት ብውሽጡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ራእይ ድማ ዚጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፡ ብወርቂ ኸኣ ለበጦ።
22 እቲ ቤት ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም ድማ፡ ንብዘሎ እቲ ቤት ብወርቂ ለበጦ፡ ንዂሉ እቲ መሰውኢ ቤት ራእይውን ብወርቂ ለበጦ።
23 ኣብቲ ቤት ራእይ ከኣ ዓሰርተ እመት ዝቚመቶም ክልተ ኪሩቤል ካብ ኦም ኣውልዕ ገበረ።
24 ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ድማ ሓሙሽተ እመት፡ ካልኣይቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበራ። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ።
25 እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኣቶም ልክዖም ሓደ፡ ምስሎም ከኣ ሓደ ነበረ።
26 ቊመት እቲ ሓደ ኪሩቤል ዓሰርተ እመት፡ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ከምኡ ነበረ።
27 ነቶም ኪሩቤል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ውሽጣዊ ቤት ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርጊሔን ነበራ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መንደቕ ተንከዮ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከኣ ነቲ ኻልኣይ መንደቅ ተንከዮ፡ ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተታናኸያ።
28 ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም።
29 ኣብ ኲሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን፡ ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባታትን ቀረጸ።
30 ነቲ ምድሪ ቤት ከኣ ብውሽጥን ብግዳምን ብወርቂ ለወጦ።
31 ንደገ እቲ ቤት ራእይ ድማ ካብ ኦም ኣውልዕ መዓጹ ገበረሉ፡ ላዕላይ ልዳትን ቀዋሚ ልዳትን ካብቲ መንደቕ ሓምሳይ ኢድ ነበረ።
32 ካብ ኦም ኣውልዕ ክልተ መዓጹ ገይሩ ድማ ኣብኤን ቅርጺ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀረጸ፡ ብወርቂውን ለበጠን፡ ነቲ ወርቂ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ኣብ ልዕሊ ስየን ዘርግሖ።
33 ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብቲ መንደቕ ራብዓይ ኢድ ዝምርጓዱ ኻብ ኦም ኣውልዕ ልዳውቲ ገበረሉ።
34 ካብ ኦም ጽሕዲ ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ፡ እቲ ሓደ ማዕጾ ኽልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ፡ እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ኸኣ ክልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ።
35 ኣብኡ ድማ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀሪጹ፡ ነቲ ቕርጺ ብወርቂ ኣዳላዲሉ ለበጦ።
36 ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ከኣ ሰለስተ መስርዕ ብጽሩብ እምኒ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ቄድሮስ ሰርሖ።
37 እቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ራብዓይ ዓመት፡ ኣብ ወርሂ ዚፍ ተመስረተ፡
38 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡ ንሳ ሳምነይቲ ወርሒ፡ እቲ ቤት ብዂሉ ኽፍልታቱውን ከምቲ እተመደበ ዂሉን ተፈጸመ። ብሾብዓተ ዓመት ሰርሖ።

 

1 ሰሎሞን ድማ ንቤቱ ብዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ሰርሓ፡ ንብዘላ ቤቱ ኸኣ ፈጸማ።
2 ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ሰርሔ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ሓምሳ እመት፡ ቊመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስሮ ኣዕኑድ ቄድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ጽሩብ ኣግማል ቄድሮስ ገይሩ ሰርሓ።
3 እቲ ናሕሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓንዲ ዝነበረ ኣግማል ብቄድሮስ እተሰርሔ ናሕሲ ነበረ፡ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ኣብ መመስርዕ ዓሰርተዉ ሓሙሽተ ነበረ።
4 ሰለስተ መስርዕ ዓይነ ርግቢ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ።
5 ኲሉ ደጌታትን ልዳውትን ድማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ።
6 ገበላ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ፡ ሰላሳ እመት ዝምግፋሑ በዕኑድ ገይሩ ሰርሔ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኸኣ ኣዕኑድን መሳልልን ነበረ።
7 ድማ መጋባእያ ዚወጸሉ ገበላ ዝፋን፡ ንሱ ገበላ ፍርዲ፡ ሰርሔ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ።
8 እታ ዚቕመጠላ ቤቱ ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መከበብያ ኣብ ውሽጢ እቲ ገበላ ዝነበረት ከምኡ ዀይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርኦን ከኣ ክምዚ ገበላ እዚ ዝበለት ቤት ሰርሓላ።
9 እዚ ዂሉ ድማ ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕላይ ወሰን፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳዕ እቲ ዓብዪ መካበብያ፡ በቲ ብልክዕ እተቘርጸ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ብመጋዝ እተመገዘ ኽቡር ኣእማን ተሰርሔ።
10 እቲ መሰረት ድማ ብኽቡር ኣእማን፡ ብዓበይቲ ኣእማን፡ ብዓሰርተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ሾሞንተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ተሰረተ።
11 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብልክዕ እተቘርጸ ኽቡር ኣእማንን ኦም ቄድሮስን ነበረ።
12 ነቲ ዓብዪ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም ገበል እቲ ቤትን፡ ሰለስተ መስርዕ እተቘርጸ ኣእማንን ሓደ መስርዕ እተጸርበ ሉሕ ቄድሮስን ነበሮ።
13 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ።
14 ንሱ ወዲ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ብዓል ጢሮስ፡ ኣንጠረኛ ኣስራዚ ነበረ። ንሱ ድማ ኲሉ ስራሕ ኣስራዚ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ኸኣ፡ ዕዮኡ ዘበለ ገበረሉ።
15 ንሱ ድማ ነቲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ዝቚመቱ ኽልተ ዓንዲ እስራዚ ሰርሔ። ነናይ ሓደ ዓንዲ ዙርያ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት ዝምንዋሁ ገመድ ገበረ።
16 ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ድማ ካብ ዝፈሰሰ ኣስራዚ ኽልተ ጒልላት ሰርሔ። ቊመት እቲ ሓደ ጒልላት ሓሙሽተ እመት፡ ቊመት እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
17 ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ድማ ከም ስራሕ መንፊት ዝበለ ዓይነ ርግብን ከም ስራሕ ሰንሰለት ዝበለ ትትዖን ነበሮ፡ ነቲ ሓደ ጒልላት ሾብዓተ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሾብዓተ ነበሮ፡
18 ነቲ ኣዕኑድ ምስ ገበረ ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ኪኸድን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላትውን ከምኡ ገበሮ።
19 እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሄ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
20 ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕኑድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይነ ርግቢ ዘሎ ኸብዲ ዝገጠመ ጒልላት ከኣ ኣብ ዙርያኡ በብመስሮ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ።
21 ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቘሞ። ነቲ የማናይ ዓንዲ ተኺሉ ኸኣ ስሙ ቦዓዝ ኣውጽኣሉ።
22 ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ፡
23 ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ፡
24 ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ።
25 ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
26 ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራህ ወሰን ጽዋእ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበር። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ።
27 ናይ ኣስራዚ ሰረት ከኣ ዓሰርተ ገበረ፡ ሓደ ሰረት ድማ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ቊመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ።
28 ኣሰራርሓ እቲ ሰረታት ድማ ከምዚ ነበረ፡ ክቡሳት ነበሮ፡ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ከኣ ክቡሳት ነበረ።
29 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ዝነበረ ኽቡሳት ድማ ኣናብስን ኣብዑርን ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጠሚታት ከኣ ኣብ ላዕላዩ ኸምኡ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ከም ትትዖ እተገብረ ቘጽሊ ተንጠልጢሉ ነበረ።
30 ንንሓደ ሰረት ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣስራዚ፡ ንእኡ ዚሕዝ ኣርዑት ኣስራዚ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸኣ መናኲብ ነበሮ፡ እቲ መናኵብ ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትትዖ ቘጽሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ።
31 ኣፉ ድማ ብውሽጢ እቲ ጒልላት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓደ እመት ነበረ፡ እቲ ኣፉ ኸኣ ከቢብ ከም ስራሕ እግሪ ዓንዲ፡ እመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣፉ ድማ ቅርጽታት ነበሮ፡ ክቡሳቱ ኸኣ ኣርባዕተ ጥርዚ ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን።
32 እቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ድማ ብትሕቲ እቲ ኽቡሳት ነበረ፡ መትሓዝ መንኰራዂር ከኣ ኣብቲ መቐመጢ ለጊቡ ነበረ፡ ነናይ ሓደ መንኰርኰ ቊመትውን እመትን ስድርን ነበረ።
33 ስራሕ እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ስራሕ መንኰርኰር ሰረገላ ነበረ፡ መትሓዚኡን ዕንክሊሉን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኲሉ ፍሲ ነበረ።
34 ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣርባዕተ መንኲብ ነበሮ፡ እቲ መንኲብ ምስቲ ሰረት ብሓደ ነበረ።
35 ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቚመቱ ኸቢብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ከኣ እቲ መደገፊታቱን ክቡሳቱን ምስኡ ሓደ ነበረ።
36 ኣብ ገጽ እቲ መደገፊታቱን ኣብ ክቡሳቱን ከከም ስፍራኡ ብዙርያኡ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ምስትትዖ ቘጽልን ቀረጸሉ።
37 ከምዚ ነቲ ዓሰርተ መቐመጢ፡ ንዂሉ ምፍሳሱ ሓደ፡ ልክዑ ሓደ፡ መልክዑ ሓደ ገይሩ መርሖ።
38 ዕሰርተ ገበራ ኣስራዚ ድማ ሰርሔ፡ ሓደ ገበራ ኣርብዓ ባት ይሕዝ ነበረ፡ እቲ ገበራታት ሓሓዲኡ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ ዓሰርተ ሰረት፡ ነንሓደ ሰረት ሓደ ገበራ ነበሮ።
39 ነቲ ሰረታት ድማ ሓሙሽተ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብወገን ጸጋም እታ ቤት ኣንበሮ፡ ነቲ ባሕሪ ድማ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ብምብራቕ ደቡብ ኣንበሮ።
40 ሒራም ከኣ ገበራታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን ሰርሔ። በዚ ኸምዚ ሒራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ዂሉ ዕዮ ፈጸሞ፡
41 ነቲ ኽልተ ዓንድን ናይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጒልላት ከበብትን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዚኸድን ክልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዚኸድን ክልተ ዓይነ ርግብን፡
42 ናይቲ ኽልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት፡ ነቲ ኸበብቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን፡
43 ድማ ነቲ ዓሰርተ ሰረትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰረታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡
44 ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን።
45 ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን፡ እዚ ዂሉ ሒራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ኣቓሑ ኻብ ጽሩይ ኣስራዚ ነበረ።
46 እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ጻርታን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ።
47 ሰሎሞን ድማ ንዂሉ ኣቓሑ ኻብ ኣዝዩ ምብዛሑ እተላዕለ ኸይመዘነ ሓደጎ፡ ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኸኣ ኣይተመርመረን።
48 ሰሎሞን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዂሉ ኣቓሑ ሰርሔ፡ ናይ ወርቂ መሰውእን፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቅን፡
49 ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐነዲል፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም፡ ነቲ ናይ ወርቂ ዕምባባታትን ቅልዒ ቐነዲልን መሳቐይታትን ከኣ፡
50 ነቲ ናይ ጽሩይ ወርቂ ጽዋኣትን ካራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ቤት፡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን፡ ናይ መቕደስ መዓጹን ወንድወንዶታት ወርቂ ኸኣ ሰርሔ።
51 እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ኸኣ ተወድኤ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።

 

1 ሰሎሞን ከኣ ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ ሹማምቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮን፡ ኬደይብዎ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ናብ የሩሳሌም ኣከቦም።
2 ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ወርሒ ኤታኒም፡ ንሳ ኸኣ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተአከቡ።
3 ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዐልዎ።
4 ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣደየብዎ።
5 ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤልን ምስኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሔን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቊጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ።
6 እቶም ካህናት ድማ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ።
7 እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ታቦትን ነቲ መሰላታቱን እቶም ኪሩቤል ከደንዎ።
8 ጫፍ እቲ መሰላትት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኣብ መቕደስ ኴንካ ኽሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ።
9 ኣብቲ ታቦት ብጀካ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት እምኒ ገለ ኻልእ ኣይነበረ፡ እዚ ኸኣ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጽ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝአተወሉ ጊዜ ዀነ።
10 ኰነ ድማ፡ እቶም ክህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ፡
11 ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን።
12 ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ኸም ዚነብር፡ ኢሉ ኣሎ።
13 ንስኻ እተቐመጦ ቤት፡ ንዘለአለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግጽ ሰሪሔልካ ኣሎኹ፡ በለ።
14 እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ።
15-16 በለ ድማ፡ ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤት እትስርሓላ ኸተማ ኣይሐሬኹን። ግናኸ ንዳዊት ደኣ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን ሓሬኽዎ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት እተዛረቦ ብኢዱ ኸኣ ዝፈጸሞ እግዚብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
17 ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሓሉ ብልቡ ሐሲቡ ነበረ።
18 እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ፡ እዚ ብልብኻ ስለ ዝሐሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ።
19 ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዚወጽእ ወድኻ ደኣ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይትሰርሖን ኢኻ።
20 እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲኤ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣማልኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሔ ኣሎኹ።
21 ኣብኡ ድማ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ንዘለዎ ታቦት ስፍራ ኣዳሎኹ።
22 ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።
23 በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪውን ኣብ ታሕቲ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን።
24 እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ፡ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ።
25 ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደአ ሐልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ።
26 ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን።
27 ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደአ ግዳ ኽንደይ ዘይትንስእ፡
28 ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህልላኡን ምለስ።
29 ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልካያ ቦታ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ።
30 ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ስምዓዮ፡ ሰሚዕካውን ይቕረ በል።
31 ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ፡ ማሕላ ምሐል ድማ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኺምሕል እንተ መጸ፡
32 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትመልሶ፡ ኰንኖ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም።
33 ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ምስ ተሳዕሩ ድማ፡ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤት እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን፡
34 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።
35 ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዐጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ፡
36 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትርእዮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ።
37 ኣብ ሃገር ጥሜት እንተ ዀነ፡ ፌራ እተ ዀነ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከታማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝዀነ ሕማም እንተ መጸ፡
38 ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ነፍሲ ወከፍ ቊስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡
39-40 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብረለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።
41 ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡
42 ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ መጺኡ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ ጸለየ፡
43 ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤት ከኣ ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡስ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ።
44 ህዝብኻ በታ ዝለአኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹ፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን፡ ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሄር እንተ ጸለዩ፡
45 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም።
46 እንተ በደሉኻ፡ ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ ኰሪኻ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሀብካዮም እዩ፡ ናብ ርሑቕ ኰነ ወይ ናብ ቅሩብ ናብ ሃገር ጸላኢ ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡
47 ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማሕለሉ፡
48 ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ጸላእቶም ከለዉ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ገጾም ከኣ ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡
49 ሽዑ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብራ ቦታ ዄንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም።
50 ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ዝአበሱኻ ዂሉ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ምእንቲ ንሳቶም ምሕረት ኪገብሩሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ሀቦም።
51 ንሳቶምሲ ኻብ ግብጺ፡ ካብቲ እቶን ሓጺን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ፡
52-53 ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።
54 ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።
55 ደው ኢሉ ኸኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዚ ኢሉ መረቖ፡
56 እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ እተዛረቦ ዂሉ ገይሩ ዕረፍቲ ዝሀቦም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ካብቲ ብሙሴ ባርያኡ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ኲሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን።
57 እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፡ ምሳና ይኹን፡ ኣይሐደገናን ኣይገደፈናን።
58 እቲ ነቦታትና ዝአዘዞም ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክንሕሉ፡ ብዂሉ መገድታቱ ኽንከይድ፡ ንልብና ናብኡ የብሎ።
59-60እቲ ፍርዲ ንባርያኡን እቲ ንህዝቡ እስራኤል ነንዕለቱ ዜድሊ ፍርድን ምእንቲ ኼውጽእ፡ ኲሎም ህዝብታት ምድርስ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ካልእ ከም ዜልቦ ኸኣ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለልክዎ ቓላተይን ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።
61 ከምዚ ናይ ሎሚ ብሕጋጋቱ ኽትከዱ፡ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ልብኹም ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።
62 እቲ ንጉስ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።
63 እቲ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰውኦ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ከኣ በጊዕ ሰውኤ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ንጉስን ኲሎም እስራኤልን ኰይኖም ከምዚ ገይሮም ቀደስዋ፡
64 እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ምእካል ስለ ዝሰኣኖ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ እሞ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ንመስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ይስውኦ ነበረ።
65 በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እትኣቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ መዓልትን፡ ማለት ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በዓል ኣብዐሉ።
66 በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፡ ንሳቶም ከኣ ንንጉስ መረቕዎ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኲሉ ጽቡቕ ነገር ባህ ኢልዎም፡ ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ ብሂጉ እተመነዮን ኲሉ ምስ ፈጸሞ፡
2 እግዚኣብሄር ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተገልጸሉ፡ ካልኣይ ጊዜ ተገልጸሉ።
3 እግዚኣብሄር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለአለም ኣብአ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን።
4 ንስኻ ድማ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ዂሉ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን እተመላለሰ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡
5 ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለአለም ከጽንዖ እየ።
6 ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሀብኩኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ከኣ እንተ ዘይሐሎኹም፡ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፡
7 ሽዑ ኣነ ንእስራኤል ካብዛ ዝሀብክዎም ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ እስራኤልውን ኣብ ኲሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ።
8 እዛ ቤት እዚኣ ድማ፡ ኣዝያ እኳ ልዕል እንተ በለት፡ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ፡ ብእእ ተገሪሙ ይፋጺ፡ ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣንሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረን፡ ስለምንታይ ኮን እዩ፡ ድማ ኪብሉ እዮም።
9 ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ስለ ዝሐዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ኽፉእ ኣምጽኣሎም፡ ኢሎም ድማ ኪመልሱ እዮም።
10 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ቤት እግዚኣብሄር ቤት ንጉስን፡ ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት፡
11 ሒራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ብኦም ቄድሮስን ብኦም ጽሕድን ብወርቅን ከም ዝደለዮ ዂሉ ምስ ሐገዞ፡ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሀቦ።
12 ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ኪርእየን፡ ካብ ጢሮስ ወጸ፡ ግናኸ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣይበላኦን፡
13 ሓወየ፡ እዘን ዝሀብካንስ እንታይ ከተማኤን እየን፡ ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዚስመያኦ ዘለዋ ኸኣ፡ ምድሪ ካቡል ኢሉ ሰመየን።
14 ሒራም ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስስራን ታለንት ወርቂ ሰደደሉ።
15 ብዛዕባ እቶም ንጉስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ሚሎን መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን ሜጊዶን ጌዘርን ኪሰርሑ ዘውጽኦም ኣብቲ ተግባሩ ዚግብሩ ኸምዚ እዩ።
16 ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሓዛ፡ ብሓዊ ተኲሱ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ቀቲሉ፡ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን፡ ገዝማ ሀባ።
17 ሰሎሞን ከኣ ንጌዘርን ንታሕታይ ቤት-ሖሮንን ሰርሔን።
18 ድማ ንባዓላትን ነታ ኣብ በረኻ እታ ሃገር ዘላ ታማርውን፡
19 ንዂለን ናይ ሰሎሞን ዝነበራ ኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ከም ባህጉ ገይሩ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ሃገር ግዝኣቱን ኪሰርሖ ዝደለየ ሰርሔ።
20 ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈሬዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኰኑ ዂሎም ህዝቢ፡
21 ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ደቂ እስራኤል ኬጽንትዎም ዘይከኣሉ፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግበሩ ባሮት ገበሮም።
22 ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፡ ተዋጋእትን ገላዉኡን ሹማምቱን ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኪዀኑ እምበር፡ ባሮት ኣይገበረን።
23 እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ሓላቑ ዋናታት ነቶም ኣብ ዕዮ ዚዐዩ ህዝቢ ዚእዝዙ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
24 ጓል ፈርኦን ግና ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሓላ ቤታ ደየበት፡ ሽዑ ንሚሎ ሰርሓ።
25 ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ መሰውኢ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ የዕርግ ነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዐጠነ። ነታ ቤት ድማ ፈጸማ።
26 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮን-ጋበር መራኽብ ሰርሔ።
27 ሒራም ድማ በተን መራኽብ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ባሕሪ ዚፈልጡ ባሕረኛታት ገላዉኡ ሰደደ።
28 ናብ ኦፊር መጺኦም ከኣ ካብኣ ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቂ ወሰዱ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምጽእዎ።

1 ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔት፡ ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ መጸት።
2 ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞ፡ ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸት፡ ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ።
3 ሰሎሞን ከኣ ኲሉ ዘረባኣ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን።
4 ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን ምስ ረአየት፡
5 መብልዕ መኣዱን ኣቓማምጣ ገላውኡን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረእየት፡ ውኖኣ ተመስጠ።
6 ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርካን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ።
7 መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባ ኣይአመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን ኣሎካ፡
8 እቶም ሰብካ ብጹኣን እዮም እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላውኻ ብጹኣን እዮም።
9 እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላክካ ብሩኽ ይኹን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጸድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንጉስ ክትከውን ሸመካ።
10 ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡራት ኣእማንን ሀበቶ፡ ድሕርቲ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ዝምብዛሑ ቐመማት ከቶ ኣይመጸን።
11 እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዜምጽኣ መራኽብ ሒራም ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምጽኣ ነበራ፡
12 ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መጋረዲታት፡ ንመዘምራን ዚኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕጨይቲ ሰንደል ኣይመጸን፡ ኣይተራእየን ድማ።
13 ብጀካ እቲ ሰሎሞን ከም ናይ ንጉስ ልግስነቱ ዝሀባ ኸኣ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ገላውኣ ናብ ሃገራ ኸደት፡
14-15 ብዘይ እቲ ብሰብ ሸቐጥን ብንግድ ቃፍላይን ካብ ኲሎም ነገስታት ዓረብን ካብ ራእስታት ሃገርን ዝመጸ፡ ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ።
16 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ክልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ሰርሔ፡ ነንሓደ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኤ።
17 ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ኸኣ ሰርሔ፡ ነንሓደ ዋልታ ሰለስተ ምና ወርቂ ወድኤ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።
18 ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሔ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ።
19 እቲ ዝፋን ሹድሽተ መደያይቦ ነበሮ፡ ርእሲ እቲ ዝፋን ከኣ ብሸነኽ ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፍ ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ።
20 ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ፡ ኣብኡ በዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስትታት ኣይተገብረን።
21 ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣቓሑ መሳተያ ዘበለ ድማ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑ ከኣ ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ብሩር ኣይነበረን፡ ንሱስ ብዘመን ሰሎሞን ገለ እኳ ኣይቚጸርን ነበረ።
22 ንጉስ ምስ መራኽብ ሒራም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ተርሲስ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ህበይን ኣዕዋፍን ተጻዒነን ኣብ ሰለስተ ዓመትሲ ሓንሳእ ይመጻ ነበራ።
23 በዚ ኸምዚ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ፡
24 ብዓለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ኺሰምዕስ፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርኢ ይደሊ ነበረ።
25 ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገገጽ በረኸቶም፡ ኣቓሑ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ።
26 ሰሎሞን ከኣ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣከበ እሞ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ድማ ኣቐመጦም።
27 እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ክም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።
28 እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ እዮም ዝወጹ ዝነበሩ፡ እቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ቓፍላይ ከኣ ነንመጓሴ ብቚሩጽ ዋጋ ይወስዱ ነበሩ።
29 ካብ ግብጺ ዝወጽእ ሰረገላ ድማ ነንሓደ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ይወጽእ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን። ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ከምኡ እናገበሩ በእዳዎም የውጽኡሎም ነበሩ።

1 ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሲዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ፡
2 ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ።
3 ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ።
4 ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።
5 ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣስታርተ፡ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ከደ።
6 ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ኣይሰዐቦን።
7 ሽዑ ሰሎሞን ንከምሽ ጽያፍ ሞኣብን፡ ንሞሌኽ ጽያፍ ደቂ ዓሞንን፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ዘሎ ኸረን በረኽቲ ሰርሔ።
8 ንዂላተን እተን ጓኖት ኣንስቱ፡ ንኣማልኽተን ዚዐጥናን ዚስውኣን ከኣ፡ ከምኡ ሰርሓለን።
9 እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ።
10 ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኽይከይድ ኣዚዝዎ ነበረ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ግና ኣይሐለዎን።
11 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን በሎ፡ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሓጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎካዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ።
12 እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ።
13 ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።
14 እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ ሃዳድ ኤዶማዊ ኣተንስኣሉ፡ ንሱ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶም ነበረ።
15 ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ኤዶም ከሎ፡ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ነቶም ቅቱላት ኪቐርብ ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ኪቐትል ከሎ፡
16 ዮኣብን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንቱስ፡ ኣብኡ ሹድሽተ ወርሒ ተቐመጡ።
17 ሃዳድ ከኣ፡ ንሱን ገለ ኤዶማውያንን ካብ ገላዉ ኣቦኡ ድማ ምስኡ ዀይኖም ናብ ግብጺ ኪኸዱ ሀደሙ፡ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ።
18 ካብ ሚድያን ተላዒሎም ከኣ ናብ ጳራን መጹ፡ ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ። ንሱ ኸኣ ቤት ሀቦ፡ ቀለብውን ኣዘዘሉ፡ ምድሪ ድማ ሀቦ።
19 ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፡ ንሱ ድማ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ ታሕጵኔስ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።
20 እዛ ሓብት ታሕጵኔስ ከኣ ጌኑባት ዚብሀል ወዲ ወለደትሉ። ታሕጵኔስ ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ጡብ ኣሕደገቶ፡ ጌኑባት ከኣ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ ማእከል ደቂ ፈርኦን ነበረ።
21 ሃዳድ ድማ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፡ ዮአብ ሓላቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፡ ምስ ሰምዔ፡ ሃዳድ ንፈርኦን፡ ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ ኣሰናብተኒ፡ በሎ።
22 ፈርኦን ግና፡ እንሆ፡ ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፡ ምሳይ ከሎኻ እንታይ ጐዲሉካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ፡ በሎ።
23 ኣምላኽ ድማ ካልእ ተጻራሪ፡ እቲ ኻብ ጐይትኡ ኻብ ሃዳድ-ዔዘር ንጉስ ጾባ ዝሀደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተንስኣሉ፡
24 ንሱ፡ በታ ዳዊት ንሰብ ጾባ ዝቐተለላ ጊዜ፡ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ጭፍራ ዀነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። ኣብ ደማስቆውን ነገሱ።
25 ንሱ ድማ ምስቲ ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ጸረ እስራኤል ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ጸየፎ፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸኣ ነገሰ።
26 የሮብዓም ጊልያ ሰሎሞን፡ ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ፡ ካብ ጸሬዳ፡ ስም ኣዲኡ ጽሩዓ፡ ንሳ ከኣ መበለት ነበረት፡ ንሱ ድማ ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዐለ።
27 እቲ ኢዱ ኣብ ንጉስ ዘልዐሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ፡ ሰሎሞን ንሚሎ ሰርሓ፡ ነቲ ፍራስ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ጸገኖ።
28 የሮብዓም ድማ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ እቲ ጐበዝ፡ ንሱ ትጉህ ዓያዪ ኸም ዝዀነ ርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዕዮ ቤት ዮሴፍ ኣመዘዞ።
29 ኰነ ድማ፡ በቲ ዘመን እቲ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፡ ነብዪ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ንሱ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከኣ በይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።
30 ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጾ።
31 ንየሮብዓም ከኣ በሎ፡ ዓሰርተ ቒራጽ ንኣኻ ውሰድ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክቐዳ እየ፡ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ።
32 ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን።
33 ንኣይ ሐዲጎም ንኣስታርተ፡ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፡ ንኸምጽ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ንሚልኮም ኣምላኽ ደቂ ዓሞን ስለ ዝሰገዱ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝዀነን እቲ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ኪገብሩ ድማ ብመገደይ ኣይከዱን።
34 ግናኸ ምእንቲ እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ መስፍን እገብሮ እምበር፡ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ካብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ።
35 ግናኸ ካብ ኢድ ወዱ ነታ መንግስቲ ኽወስዳ እየ፡ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ።
36 ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኸንብር ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም፡ ንባርያይ ዳዊት ኲሉ ዘመን መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።
37 ንኣኻ ወሲደ ድማ ኣብቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ ዘበለ ኽትገዝእ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ክትነግስ ኢኻ።
38 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዝአዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰማዕካ ብመገደይ ከኣ እንተ ተመላለስካ፡ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝዀነ እንተ ገበርካ፡ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን እንተ ሐሎኻ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኩሉ፡ ንኣኻ ኸኣ ጽንዕቲ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ እስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ።
39 ምእንቲ እዚ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፡ ግናኸ ንዂሉ ዘመን ኣይኰነን።
40 ስለዚ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ደለየ፡ የሮብዓም ግና ተንሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ሀደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ነበረ።
41 እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ እቲ ዝገበሮ ዂሉን ጥበቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞንዶ ተጽሒፉ ኣይኰነን⋮
42 እቲ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ።
43 ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።

 

1 ብዘሎ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ።
2 ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ገና ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ነበረ።
3 ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡
4 ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝአ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና፡ ንሕናውን ክንግዝአካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
5 ንሱ ድማ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ከዱ።
6 ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፡ ኢሉ ተማኸረ።
7 ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሎሚ ጊልያ እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ኣገልገልካዮም፡ ምላሽ ድማ እንተ ሀብካዮም፡ ጽቡቕ ቃልውን እንተ ተዛረብካዮም፡ ሽዑ ንሳቶም ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
8 ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ
9 እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ተማኽሩኒ፡ በሎም።
10 እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ ነዞም ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፡ ንስኻ ኻብ ልዕሌና ኣቕልለልና፡ ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ እዚኦም፡ እዛ ንእሽቶ ኣጻብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጒድ።
11 ሕጂ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጸዐነኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ በሎም፡ ኢሎም መለሱሉ።
12 ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓም ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮቦኣም መጹ።
13 ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም፡
14 ኣቦይ ኣርዑትኩም ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።
15 ነቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብአሒያ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቝሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16 ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣሎና፡ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳንካ ተመለስ። ኣታ ዳዊት፡ ሕጂስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳኑ ኸደ።
17 የሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18 ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፡ ብዘለዉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ናብ የሩሳሌም ኪሀድም ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ።
19 በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም ኣለዉ።
20 ኰነ ድማ፡ ብዘለዉ እስራኤል የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑ፡ ልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኣንገስዎ። ብጀካ ነገድ ይሁዳ ጥራይ ንቤት ዳዊት ዝሰዐባ ኣይነበረን።
21 ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኪመልስዋ፡ ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
22 ግናኸ ናብ ሸማዕያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ መጸ፡
23 ነሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝቢውን ከምዚ በሎም፡
24 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትደይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ተመሊሶም ከዱ።
25 የሮብዓም ድማ ንሴኬም ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰርሓ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ ንጰኑኤል ሰርሓ።
26 የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ።
27 እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኪስውእ ናብ የሩሳሌም እንተ ደየበ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ የሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ቐቲሎምኒ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም፡ በለ።
28 እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፡ ዎ እስራኤል፡ ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እነዉልካ፡ ድማ በሎም።
29 ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን ገበሮ።
30 እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኺሰግድ ክሳዕ ዳን ይኸይድ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንሓጢኣት ኰነ።
31 ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሔ፡ ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ፡ ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ።
32 የሮብዓም ድማ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል፡ በዓል ገበረ፡ ናብቲ መሰውኢ ድማ ደየበ። ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ኪስውኣሎም ኣብ ቤት-ኤል ከምኡ ገበረ። ናይቲ ዝገበሮ በረኽቲ ኸኣ ካህናት ኣብ ቤት-ኤል ኣቘመ።
33 ብሳምነይቲ ወርሒ፡ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ናብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ። ንደቂ እስራኤል ከኣ በዓል ገበረሎም፡ ኪዐጥን ድማ ናብቲ መሰውኢ ደየበ።

1 የሮብዓም ኪዐጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ኸሎ ድማ፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ካብ ይሁዳ ናብ ቤት-ኤል መጸ።
2 ብቓል እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ መሰውኢ ጨደሩ፡ ኣታ መሰውኢ፡ ኣታ መሰውኢ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ንቤት ዳዊት ዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኺውለደላ እዩ። ንሱ ነቶም ኣባኻ ዚዐጥኑ ኻህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ኺስውኦም እዩ፡ ኣዕጽምቲ ሰብውን ኣባኻ ኼንድዱ እዮም፡ በለ።
3 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምልክት ሀበ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምልክት እዚ እዩ፡ እንሆ እቲ መሰውኢ ኺነቅዕ እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓመዂስቲ ኸኣ ፋሕ ኪብል እዩ።
4 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውኢ ዝጨደሮ ነገር ምስ ሰምዔ፡ የሮብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሓዝዎ፡ በለ። እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ ግና ነቐጸት እሞ ናብኡ ኺመልሳ ኣይከአለን።
5 ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ዝሀቦ ምልክት ድማ፡ እቲ መሰውኢ ነቕዔ፡ እቲ ሓሙዂስቲውን ፋሕ በለ።
6 ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዛ ኢደይ ክትምለሰለይሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ናብኡ ተመለት፡ ከም ቀደማውን ኰነት።
7 እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ ብላዕ፡ ህያብውን ክህበካ እየ፡ በሎ።
8-9 እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ነቲ ንጉስ፡ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ብዚብል ቃል እግዚኣብሄር ተአዚዘ እየ እሞ፡ ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይአቱን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን፡ በሎ።
10 ብኻልእ መገዲ ኸኣ ከደ፡ በታ ናብ ቤት-ኤል ዝመጸላ መገድስ ኣይተመልሳን።
11 ኣብ ቤት-ኤል ድማ ሓደ ኣረጊት ነብዪ ነበረ። ሓደ ኻብ ደቁ መጺኡ ኸኣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብሪ፡ እቲ ንንጉስ እተዛረቦ ነገር ኣዘንተወሉ፡ ንሳቶም ከኣ ነቦኦም ኣዘንተዉሉ።
12 ኣቦኦም ከኣ፡ በየነይቲ መገዲ ኸይዱ፡ በሎም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝኸደላ መገዲ ርእዮም ነበሩ።
13 ነቶም ደቁ ኸኣ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይ፡ በሎም። ኣድጊ ድማ ጸዐኑሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተወጥሔ።
14 ደድሕሪ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ድዋ ተቐሚጡ ኸኣ ረኸቦ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንስኻ ዲኻ፡ ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ፡ ኣነ እየ፡ በለ።
15 ንሱ ድማ፡ ምሳይ ናይ ቤት ንዓ እሞ እንጌራ ብላዕ፡ በሎ።
16-17 ንሱ ግና፡ ኣብኣ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ከኣ ኣይትስተ፡ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኽምለስ ምሳኻ ኽአቱን ኣይክእልን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጌራ ኣይበልዕን ማይ ድማ ኣይሰትን፡ በለ።
18 ንሱ ኸኣ፡ አነውን ካማኻ ነብዪ እየ፡ መልአኽ ድማ፡ እንጌራ ኺበልዕን ማይ ከኣ ኪሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ፡ በሎ። ግናኸ ሐስይዎ እዩ።
19 ምስኡ ተመልሰ፡ ኣብ ቤቱ ድማ እንጌራ በልዔ፡ ማይውን ሰተየ።
20 ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ኣብ መኣዲ ኾፍ ኢሎም ከለዉ፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል እግዚኣብሄር መጾ።
21 ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጾ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ከምዚ ኢሉ ጨደረሉ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ስለ ዝዐሎኻዮ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝውን ስለ ዘይሐሎኻዮ፡
22 ኣብታ እንጌራ ኣይትብልዓላ ማይ ከኣ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጌራ በላዕካ፡ ማይ ድማ ሰቴኻ፡ ስለዚ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይአቱን እዩ።
23 ኰነ ድማ፡ እንጌራ ምስ በልዔን ምስ ሰተየን፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ጸዐነሉ።
24 ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ድማ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ።
25 እንሆ ኸኣ፡ ዚሐልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዘለዋ ኸተማ መጺኦም ድማ እዚ ነገሩ።
26 እቲ ኻብ መገዱ ዝመለሶ ነብዪ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ እቲ ንኣፍ እግዚኣብሄር ዝዐለወ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእኡ እተዛረቦ ዘረባ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንአንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ሰቢሩስ ቀቲልዎ ኸኣ፡ በለ።
27 ንደቁ ድማ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ጸዐኑሉ ኸኣ።
28 ንሱ ኸደ እሞ ነቲ ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፡ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ድው ኢሎም ጸንሑ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን።
29 ሽዑ እቲ ነብዪ ሬሳ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ድማ ጽዒኑ መለሶ። ኪበኽየሉን ኪቐብሮን ከኣ ናብ ከተማ እቲ ኣረጊት ነብዪ መጸ።
30 ነቲ ሬሳኡ ድማ ናብ መቓብሩ ኣንበሮ እሞ፡ ዋይዋይ ሓወይ፡ ኢሎም በኸዩሉ።
31-32 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ቀበሮ ንደቁ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኲለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘለዋ ኣባይቲ በረኽቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝጨደሮ ነገር ብርግጽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፡ ኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
33 ድሕርዚ ነገርዚ የሮብዓም ካብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፡ መሊሱ ደአ ኻብቲ ህዝቢ ንበረኽቲ ማንም ካህናት ገበረ። ነቲ በረኽቲ ኻህናት ኪዀኑ ንዝደለየ ዘበለ ቀደሶ።
34 እዚ ነገር እዚ ንቤት የሮብዓም ንሓጢኣትን ንምጥፋእን ካብ ልዕሊ ምድሪ ንምጽናትን ኰና።

1 በቲ ዘመን እቲ ኣቢያ ወዲ የሮብዓም ሐመመ።
2 የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይትፍለጥስ፡ ክዳንኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ ኣሎ።
3 ዓሰርተ እንጌራን ሕምባሻን ንጽባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ ነዚ ቘልዓ ዚኸውን ነገር ኪገልጸልኪ እዩ፡ በላ።
4 ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምኡ ገበረት፡ ተንሲኣ ኸኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡ ናብ ቤት ኣሒያውን አተወት። ኣሒያ ግና ኣዒንቱ ብእርግና ፈዚዘን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከአለን።
5 እግዚኣብሄር ድማ ንኣሒያ፡ እንሃ ሰበይቲ የሮብዓም ብዛዕባ ወዳ፡ ንሱ ሓሚሙ እዩ እሞ፡ ክትጥይቐካ ትመጽእ ኣላ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጋሻ ተመሲላ ኽትአቱ እያ እሞ፡ ከምዝን ከምዝን ኢልካ ተዛረባ፡ በሎ።
6 ኰነ ኸኣ፡ ብደገ ኽትአቱ ኸላ፡ ኣሒያ ኣእጋራ ድግ ድግ ኪብል ምስ ሰምዔ፡ በለ፡ ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓም፡ እተዊ። ስለምንታይ ኢኺ ጋሻ እትመስሊ፡ ኣነ ድማ ከቢድ ነገር ክነግረኪ ናባኺ ተላኢኸ ኣሎኹ።
7 ኪዲ እሞ ንየሮብዓም በልዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ማእከል ህዝቢ ልዕሊ ኣቢለ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገበርኩኻ፡
8 መንግስቲ ድማ ካብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ሀብኩኻ። ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሐለወ ኣብ ቅድመይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ኪገብር፡ ብምሉእ ልቡ ዝሰዐበኒ፡ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኰንካን።
9 ክፉእ ንምግባር ደአ ኻብቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዂሎም ገደድካ፡ ከተዀርየኒ ድማ ኬድካ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፡ ንኣይ ግና ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቤኻኒ።
10 ስለዚ እንሆ፡ ንቤት የሮብዓም ክፉእ ከምጽኣላ እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ፡ ፍቱሕ ኰነ ድማ ካብ ቤት የሮብዓም ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኸጽንት እየ። ፋንድያ ኸም ዚዂስተር ገይረ ኸኣ ንቤት የሮብዓም፡ ፈጺማ ኽሳዕ እትጠፍእ፡ ክዂስትራ እየ።
11 እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ነቲ ኻብ የሮቦኣም ኣብ ከተማ ዝሞተ፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።
12 ንስኺ ተንሲእኪ ንቤትኪ ኺዲ እሞ፡ እግርኺ ናብ ከተማ ክትአቱ ኸላ፡ እቲ ቘሎኣ ኺመውት እዩ።
13 ኣብ ቤት የሮብዓም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ኣብኡ ስለ እተረኽበ፡ ካብ የሮብዓም እዚ ጥራይ ኣብ መቓብር ኪአቱ እዩ እሞ፡ ንእኡ ብዘለዉ እስራኤል እናበኸዩ ኪቐብርዎ እዮም።
14 እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዚዀኖ ኼተንስእ እዩ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲአ ንቤት የሮብዓም ኬጽንታ እዩ። ሕጂ እሞ እንታይ ኪግበር እዩ፡
15 ሻምብቆ ኣብ ማይ ሰሰው ከም ዚብል፡ ንእስራኤል ድማ እግዚኣብሄር ኪወቕዖ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኬዀርዩስ ኣስታርቴታቶም ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሀቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኺምንቊሶም፡ ናብ ስግር ርባውን ኪዘርዎም እዩ።
16 ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ንእስራኤል ከኣ ዘሕጥኦም፡ ንእስራኤል ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።
17 ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻውን መጸት፡ ንሳ ኣብ ልዳት ቤታ ምስ በጽሔት፡ እቲ ቘልዓ ሞተ።
18 ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፡ ብነብዪ ኣሒያ፡ እተዛረቦ ቓል ከኣ ብዘለዉ እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን።
19 እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገር ድማ፡ እቲ እተዋግኦን እቲ ዝነገሶን፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
20 እቲ የሮብዓም ዝነገሶ ዘመን ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት እዩ። ምስ ኣቦታቱ ድማ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናዳብ ነገሰ።
21 ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኼንብር ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ የሩሳሌም ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ።
22 ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዚበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከኣ ኣቕንእዎ።
23 ንሳቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኦምን በረኽትን ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ሰርሑ።
24 ኣብታ ሃገር ድማ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ነበሩ። ከም ኲሉ ርኽሰት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ይገብሩ ነበሩ።
25 ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ንየሩሳሌም ደየባ።
26 ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ከኣ ወሰደ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዂሉ ዋላቱ ወርቂውን ወሰዶ።
27 ንጉስ ሮብዓም ድማ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ተኸልቲ ኣማዕቈቦም።
28 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ዚኸይድ፡ እቶም ተኸተልቲ የልዕልዎ ነበሩ፡ ናብ ቤት እቶም ተኸተልቲ ድማ ይመልስዎ ነበሩ።
29 እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ነገር ድማ፡ ኲሉ ዝገበሮ ዘበለ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
30 ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ፡
31 ሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ስም ኣዲኡ ድማ ናዓማ እዩ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣቢያም ነገሰ።

 

1 ንንጉስ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ድማ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2 ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።
3 በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፡ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍጹም ኣይነበረን።
4 ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፡ ብድሕሪኡ ወዱ ኼተንስእ ንየሩሳሌምውን ኬጽንዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሀቦ።
5 ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብጀካ እቲ ናይ ኡርያ ሔታዊ ነገርሲ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዝአዘዞ ዘበለ ኣየግለሰን።
6 ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ውግእ ነበረ።
7 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን⋮ ኣብ መንጎ ኣብያን የሮብዓምን ድማ ውግእ ነበረ።
8 ኣቢያም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ።
9 ንየሮቦኣም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ፡
10 ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።
11 ኣሳ ድማ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
12 ነቶም ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ሰጐጎም። ነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ኲሎም ጣኦታት ድማ ኣግለሶም።
13 ነዲኡ ማዓካውን፡ ንአስታርተ ናይ ጽያፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ድማ ነቲ ምስላ ቘሪጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ።
14 ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለሶን። ኣሳስ ምሉእ ዘመኑ ድአ ልቡ ምስ እግዚኣብሄር ፍጹም ነበረ።
15 ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ወርቅን ብሩርን ኣቓሑን ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።
16 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ።
17 ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንይሁዳ ደየባ። ገለ ወጺኡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ይኺድ ከይሐድግ ኢሉ ድማ ንራማ ሰርሓ።
18 ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ወሲዱ ኣብ ኢድ ገላዉኡ ሀቦም። ነዚ ድማ ንጉስ ኣሳ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ልኢኹ፡
19 ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ገጽ በረኸት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝአቶኻዮ ኺዳንካ ኣፍርሶ፡ በሎ።
20 ቤን-ሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ንኸተማታት እስራኤል ኪወግእወን ሓላቑ ሰራዊቱ ሰደደ፡ ንዒዮንን ንዳንን ንአቤል-ቤት-ማዓካን ንብዘላ ኪነሮትን ምስ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዐረን።
21 ኰነ ኸኣ፡ ባዕሳ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንራማ ምስራሕ ሐዲጉ ኣብ ቲርጻ ተቐመጠ።
22 ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናጻ ኸይሐደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተተ። ነቲ ባዕሳ ንራማ ሰሪሑሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጻውን ወሰዱ፡ ንጉስ ኣሳ ድማ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን ሰርሔን።
23 ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ነገር ከኣ፡ ኲሉ መንፍዓቱን ኲሉ ዝገበሮን ዝሰርሔን ከተማታትን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ብጊዜ እርግናኡ ግና ኣእጋሩ ሐመመ።
24 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።
25 ናዳብ ወዲ የሮብዓም ከኣ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ካልአይ ዓመቱ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመትውን ኣብ እስራኤል ነገሰ።
26 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ከደ።
27 ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ድማ ተማሓሐለሉ። ናዳብን ብዘሎ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ኸኣ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ።
28 ባዕሳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ነገሰ፡
29-30 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰሪ እቲ የሮቦኣም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣ፡ ክሳዕ ዜጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሓደገሉን።
31 ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን⋮
32 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ፡
33 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ገዝኤ።
34 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ኸደ።

 

1 ንየሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡
2 ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገይረካ ኽነሰይ፡ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ብምኻድካ፡ ንህዝበይ እስራኤል ብሓጢኣቶም ኬዀርዩኒ ስለ ዘስሐትካዮም፡
3 እንሆ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ንንየው ክጸርጎም እየ፡ ንቤትካ ድማ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ።
4 ካብ ባዕሳ ነቲ ኣብ ከተማ ዝሞተ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።
5 እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሳ ነገርን እቲ ዝገበሮን እቲ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
6 ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቲርጻውን ተቐብረ፡ ኣብ ክንዳኡ ከኣ ወዱ ኤላ ነገሰ።
7 ከም ቤት የሮብዓም ኪኸውን ኢሉ፡ ብግብሪ ኢዱ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ዘበለ ስለ ዝገበረን ንየሮብዓም ድማ ስለ ዝቐተሎን፡ እቲ ብነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ባዕሳን ኣብ ቤቱን ተፈጸመ።
8 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሹድሽተን ዓመቱ ኸኣ ኤላ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ገዝኤ።
9 ግናኸ ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፡ ተማሓሐለሉ። ኣብ ቲርጻ፡ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቲርጻ ዘላ ቤት ኣዛዚ ዝነበረ ቅርጻ፡ ሰትዩ ሰኺሩ ኸሎ፡
10 ዚምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ፡ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ቐተሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ።
11 ኰነ ድማ፡ ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ብኡብኡ ንብዘሎ ቤት ባዕሳ ቐተለ፡ ካብ ዘመዱ ዀነ፡ ካብ ፈተውቱ ዀነ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ካብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣየትረፈሉን።
12-13 ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ኬዀርይዎስ፡ ንእስራኤል ከኣ ስለ ዝስሐቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ።
14 እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
15 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኸኣ ዚምሪ ኣብ ቲርጻ ሾብዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ድማ ንጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ከቢቦምዋ ነበሩ።
16 እቶም ከቢቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ዚምሪ ተማሓሒሉ ንንጉስ ድማ ቀቲልዎ፡ ኪብሉ ሰምዑ። ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንዖምሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ።
17 ዖምሪን ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ምስኡን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ።
18-19 ኰነ ድማ፡ ዚምሪ እቲ ብመገዲ የሮቦኣም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ሞተ ኸኣ።
20 እቲ ዝተረፈ ናይ ዚምሪ ነገርን እቲ ዝተማሓሐሎ ምምሕሓልን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
21 ሽዑ እቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግሶ ሰዐቦ። እቲ ፍርቂ ኸኣ ንዖምሪ ሰዐቦ፡
22 እቲ ንዖምሪ ዝሰዐበ ህዝቢ ድማ ነቲ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ዝሰዐበ ህዝቢ ሐየሎ። ቲብኒ ኸኣ ሞተ፡ ዖምሪውን ነገሰ፡
23 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። እተን ሹድሽተ ዓመት ኣብ ቲርጻ ነገሰ።
24 ንኸረን ሰማርያ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት ብሩር ዐደጋ፡ ኣብቲ ኸረን ከኣ ሰርሔ፡ ስም እታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ጐይታ እቲ ኸረን፡ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።
25 ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዚኸፍእ ገበረ።
26 ብዂሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንእስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ምእንቲ ኬዀርይዎ ብዘስሓተሉ ሓጢኣቱን ከደ።
27 እቲ ዝተረፈ ዖምሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
28 ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣከኣብ ነገሰ፡
29 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ድማ ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝኤ።
30 ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዚኸፍእ ገበረ።
31 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤል፡ ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፡ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልገሎ፡ ሰገደሉውን።
32 ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት በዓል ድማ ንበዓል መሰውኢ ኣቘመሉ።
33 ኣከአብ ከኣ ኣስታርተ ገበረ። ኣከአብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዜዀሪ ብምግባሩ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ።
34 ብዘመኑ ኸኣ ሒኤል ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በዂሩ ሰረታ፡ ደጌታታ ኸኣ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቘመ።

 

1 ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቲስቢታዊ ንአከአብ፡ በዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ በሎ።
2-3 ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ።
4 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ኢሉ መጾ።
5 ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ።
6 እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ።
7 ኰነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ ድሕሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ።
8-9 ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ።
10 ተንሲኡ ኸኣ ናብ ሰራጵታ ኸደ። ናብ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ድማ፡ እንሃ፡ ዕጨይቲ እትአሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ጸዊዑ፡ በጃኺ፡ ዝሰትዮ ሒደት ማይ ብቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ፡ በላ።
11 ከተምጽእ ኢላ ምስ ከደት ድማ፡ በጃኺ፡ ኣብ ኢድኪ ቚራስ እንጌራ ተማልእለይ፡ ኢሉ ጸውዓ።
12 ንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይት ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እአሪ ኣሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት።
13 ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድም ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድክን ሰንክቲ።
14 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ።
15 ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት። ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡
16 ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።
17 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ወድ እታ ሰበይቲ፡ እታ ብዓልቲ ቤት፡ ሐመመ። እቲ ሕማሙ ኸኣ ትንፋሱ ኽሳዕ ዚሰአን በርትዖ።
18 ሽዑ ንሳ ንኤልያስ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበና፡ ሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካኒ፡ በለቶ።
19 ንሱ ግና፡ ወድኺ ሀብኒ፡ በላ። ካብ ሑቑፋ ወሲዱ ኸኣ ናብታ ዝነበረላ ደርቢ ኣደየቦ እሞ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ።
20 ሽዑ ንሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዛ ኣነ ምሳኣ ብግሽነት ዝነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ኽፉእ ገበርካያ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
21 ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ በጥ ኢሉ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ነፍሲ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
22 እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔ፡ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ።
23 ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱ፡ ካብ ደርቢ እታ ቤት ኣውሪዱ ነዲኡ ሀባ፡ ኤልያስ ድማ፡ ርአዪ፡ ወድኺ ሐውዩ፡ በለ።
24 እታ ሰበይቲ ኸኣ ንኤልያስ፡ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለቶ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ንኤልያስ፡ ኬድካ ንኣከኣብ ተርአዮ እሞ፡ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ።
2 ኤልያስ ከኣ ንአከአብ ኪርእዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ።
3 ኣከአብ ድማ ንኦብድያ ኣዛዝ ቤቱ ጸውዖ። ኦብድያ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡
4 በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ፡ ኣብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱ፡ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦም፡ እንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።
5 ኣክአብ ከኣ ንኦብድያ፡ ኲለን እንስሳ ኽይጠፍአናስ፡ ኣብዛ ሃገር ናብ ኲሉ ዓይኒ ማያትን ኣብ ኲሉ ርባታትን ኪድ፡ ምናልባሽ ሳዕሪ ንረክብ እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ነድሕን፡ በሎ።
6 ኪዀልዋ ድማ፡ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣከአብ ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ፡ ኦብድያውን ንበይኑ ብሓደ ኻልእ መገዲ ኸደ።
7 ኦብድያ ኣብ መገዲ ኸሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤልያስ ተጓነፎ፡ ኣለልይዎ ድማ ብገጹ ፍግም ኢሉ፡ ንስኻዶ ጐይታይ ኤልያስ ኢኻ፡ በለ።
8 ንሱ ድማ በሎ፡ እወ፡ ኣነ እየ። ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ፡ በሎ።
9 ንሱ ኸኣ በለ፡ ኪቐትለንስ ንጊልያኻ ኣብ ኢድ ኣከአብ ኣሕሊፍካ እትህበኒ፡ እንታይ ሓጢኣት ገይረ እየ፡
10 ጐይታይ ኪደልየካ ኢሉ ዘይለአኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዜልቦ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ። የሎን፡ ምስ በሉ ኸኣ፡ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሐሎም።
11 ሕጂ ድማ ንስኻ፡ ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ
12 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኣነ ኻባኻ ምስ ከድኩ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፡ ኣነ ድማ ኣትየ ንኣከኣብ እነግሮ፡ እንተ ዘይረኸበካ ኸኣ፡ ኪቐትለኒ እዩ። ጊልያኻ ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ እየ።
13 በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሐቢኤ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም፡
14 ሕጂ ኸኣ ንስኻ፡ ናብ ጐይታኻ ኼድካስ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ኪቐትለኒ ኸኣ እዩ፡ በለ።
15ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ሎሚ ኸም ዝርአዮ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ በለ።
16 ኦብድያ ኸኣ ንአከኣብ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ነገሮ ድማ። ኣከኣብ ንኤልያስ ኪቃባበሎ ኸደ።
17 ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮ፡ ኣከአብ፡ እቲ ንእስራኤል እተዕገርግር ንስኻ ዲኻ፡ በሎ።
18 ንሱ ድማ፡ ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ደድሐሪ በዓል ብምስዓብካን እምበር፡ ኣነስ ንእስራኤል ኣየዕገርገርኩን።
19 ሕጂ ኸኣ ንብዘሎ እስራኤል ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዚበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን ልኢኽካ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ፡ በለ።
20 ኣክኣብ ድማ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ልኢኹ ነቶም ነብያት ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም።
21 ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡ፡ በዓል እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን።
22 ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣሎኹ፡ ነብያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም።
23 እምበኣር ክልተ ዝራብዕ ይሀቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንኣታቶም ዚኸውን ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ኸኣ ኣይእጐደሉን።
24 ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፡ ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለለ እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ፡ ንሱ ኣምላኽ ይኹን፡ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ እዚኣስ ጽብቕቲ ዘረባ እያ፡ ኢሎም መለሱ።
25 ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሐሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም።
26 ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሀብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፡ ኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓል፡ ምላሽ ሀበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ።
27 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ይሐስብ ከይህሉ፡ ወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውን፡ ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉ፡ ምእንቲ ኺበራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደአ ጨድሩ፡ ኢሉ ኣላገጸሎም።
28 ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳዕ ዚፈስስ፡ ንኣካላቶም በስያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ።
29 ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሐለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዚስውኣላ ጊዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን፡ ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን።
30 ሽዑ ኤልያስ ንዂሎም ህዝቢ፡ ናባይ ቅረቡ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ብዘለዉ ናብኡ ቐረቡ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ።
31 ኤልያስ ድማ ከም ቍጽሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፡ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ወሰደ። ያእቆብ እቲ፡ እስራኤል ይኹን ስምካ፡ ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ዝመጾ እዩ።
32 በቲ ኣእማን ከኣ ብስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ክልተ መስፈር ዘርኢ ዚሕዝ ጒድጓድ ዀዐተ።
33 ነቲ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፎ፡ ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ ኣንበሮ።
34 በለውን፡ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይትን ኣፍስሱሉ፡ ካልኣይ ከኣ ግበሩ በለ። ካልኣይ ድማ ገበሩ። ሳልሳይውን ወስኹ በለ። ሳልሳይ ከኣ ወሰኹ።
35 እቲ ማይ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ወሐዘ፡ እቲ ጐድጓድ ድማ ማይ መልኤ።
36 ኰነ ድማ፡ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚቕረበላ ጊዜ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፡ ነዚ ዂሉ ድማ ብትእዛዛካ ከም ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ኣፍልጥ።
37 እዞም ህዝቢ እዚኣኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ፡ ምላሽ ሀበኒ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምላሽ ሀበኒ፡ በለ፡
38 ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፡ ነቲ ኣብ ጒድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ።
39 ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነዚ ምስ ረአዩ፡ ብገጾም ተደፊኦም፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ በሉ።
40 ኤልያስ ድማ፡ ንነብያት በዓል ሐዝዎም፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይምለቚ፡ በሎም። ሐዝዎም ከኣ። ኤልያስ ድማ ናብ ርባ ቂሶን ኣውሪዱ፡ ኣብኡ ሐረዶም።
41 ኤልያስ ከኣ ንአከኣብ፡ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን፡ በሎ።
42 ሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ።
43 ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ፡ በሎ። ደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለሰ፡ በለ።
44 ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባህሪ ትለዐል ኣላ፡ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ደዪብካ ንኣከኣብ፡ ዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ።
45 ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ በደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ።
46 ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት እሞ፡ ሕቜኡ ተዐጢቑ፡ ክሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዜእቱ፡ ቀቅድሚ ኣከአብ ይጐዪ ነበረ።

 

1 ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ።
2 ሽዑ ኢዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፡ ንኤልያስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ በለቶ።
3 ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረኣየ፡ ነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ብኤር-ሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሐደጎ።
4 ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይአኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ፡
5 ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ።
6 እንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እምኒ እትሰንከተ ቕጫን ሳርማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ።
7 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ፡ ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ በሎ።
8 ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።
9 ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረ። እንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፡ በሎ።
10 ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ።
11 ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን።
12 ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ።
13 ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡ፡ ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፡ በሎ።
14 ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም፡ ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ።
15 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡ ኣብኣ ምስ መጻእካ ድማ፡ ንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ።
16 ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤል-ሜሆላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ።
17 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ኪቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማ፡ ኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ።
18 ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን ዘይሰዐሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ።
19 ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።
20 ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉ፡ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ደድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየ፡ ኪድ ተመለስ፡ በሎ።
21 ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣ፡ ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉ፡ ነቶም ህዝቢ ሀቦም፡ በልዑውን። ተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ።

 

1 ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ድማ ኩሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግአ።
2 ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል። ናብታ ኸተማል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ፡
3 ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፡ እተን ኣንስትኻን እቶም ዘዝጸበቑ ደቅኻንውን ናተይ እዮም፡ በሎ።
4 ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ዘረባኻ፡ ኣነን እቲ ዘሎኒ ዂሉን ናትካ ኢና፡ ኢሉ መለሰሉ።
5 እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም በልዎ፡ ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሀበኒ፡ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፡
6 ግናኸ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ገላዎይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፡ ቤትካን ኣባይቲ ገላዉኻን ኪጒርጉሩ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ንዓይንኻ ባህ ዜብሎ ዂሉ ብኢዶም ሒዞም ኪወስድዎ እዮም።
7 ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዂሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ጸዊዑ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይሲ ኣይከላእክዎን፡ እምበኣርሲ፡ በጃኹም፡ ንሱ ኽፉእ ከም ዚደልየና ርኢኹም ፍለጡ፡ በሎም።
8 ኲሎም ዓበይትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ሕራይውን ኣይትበሎ፡ በልዎ።
9 ንሱ ኸኣ ነቶም ልኡኻት ቤን-ሃዳድ በሎም፡ ንጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ቕድም ንጊልያኻ ዝለአኽካለይ ኲሉ ነገር ክገብሮ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ፡ በሉለይ። እቶም ልኡኻት ከኣ ከይዶም እዚ ነገር እዚ መለሱሉ።
10 ቤን-ሃዳድ ድማ፡ እዚ ዝስዕበኒ ዘሎ ኹሉ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዔዕምዂቲ እንተ በጺሕዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ ኢሉ ለአኸሉ።
11 እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ። እቲ ኣጽዋር ዚዐጥቕ ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ ገይሩ ኣይጀሀር፡ በልዎ፡ ኢሉ መለሰሉ።
12 ኰነ ድማ፡ ቤን-ሃዳድ፡ ንሱን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኰይኖም ኪሰትዩ ኸለዉ፡ እዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ ንገላዉኡ፡ ተሰለፉ፡ በሎም። ነታ ኸተማ ኺወድቅዋ ኸኣ ተሰለፉ።
13 እንሆ ድማ፡ ሓደ ነብዪ ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነዚ ብዘሎ ብዙሕ ኣኼባስ ርኢኻዮዶ⋮ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ።
14 ኣከኣብ ድማ፡ ብመን፡ በለ። ንሱ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር፡ በለ። መሊሱ ድማ፡ ነቲ ውግእከ መን ይጀምሮ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ፡ በሎ።
15 ሽዑ ነቶም ገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር ቈጸሮም እሞ፡ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኰኑ። ድሕሪኦም ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ፡ ንዂሎም ደቂ እስራኤል ቈጸሮም እሞ፡ ሾብዓተ ሽሕ ኰነ።
16 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ወጹ። ቤን-ሃዳድ ግና፡ ንሱን እቶም ነገስታትን፡ እቶም ኪሕግዝዎ ዝመጹ ሰላሳን ክልተን ነገስታት ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ።
17 እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገር ከኣ ቅድም ወጹ። ቤን-ሃዳድ ድማ ዚርእዮ ሰደደ እሞ፡ ሰባት ካብ ሰማርያ ይወጹ ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።
18 ንሱ ኸኣ፡ ንሰላም ወጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ ንውግእ እንተ ዀይኖም ዝወጹውን፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ።
19 እዚኣቶም እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገርን እቲ ዝሰዐቦም ሰራዊትን ኰይኖም ካብታ ኸተማ ወጹ፡
20 ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰሰብኣዩ ቐተለ፡ ሶርያውያን ከኣ ሀደሙ፡ እስራአል ድማ ሰጐጎም፡ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ ምስ ገለ ፈረሰኛታት ኰይኑ፡ ብፈረስ ኣምለጠ።
21 ንጉስ እስራኤል ከኣ ወጺኡ ንፈረስን ንሰረገላን ሰባበረ፡ ንሶርያውያን ብርቱዕ ስዕረት ሰዐሮም።
22 ሽዑ እቲ ነብዪ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ ንጉስ ሶርያ በታ እትመጽእ ዓመት ድማ ኪድይበካ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ጽናዕ፡ እንታይ ከም እትገብር ከኣ ርኢኻስ ፍለጥ፡ በሎ።
23 ነቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ እቶም ገላዉኡ በልዎ፡ ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ ኣኽራን እዮም፡ ስለዚ እዮም ካባና ዝሐየሉ። ግናኸ ኣብ ጐልጐል ኴንና ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና።
24 እዚ ነገር እዚ ግዳ ግበሮ፡ ነዞም ነገስታት ነፍሲ ወከፍ ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፡ ኣብ ክንዳኦም ድማ ራእስታት ሽም።
25 ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝጠፍኣካ ሰራዊት ንኣኻ ሰራዊት ፍቐድ፡ ፈረስ ከምቲ ፈረስ፡ ሰረገላውን ከምቲ ሰረገላ፡ ኣብ ጐልጐል ከኣ ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና። ንሱ ኸኣ ዘረባኦም ሰሚዑ ኸምኡ ገበረ።
26 ኰነ ድማ፡ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ቤን-ሃዳድ ንሶርያውያን ቈጸሮም፡ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከኣ ናብ ኣፌቅ ደየበ።
27 ደቂ እስራኤል ድማ ተቘጺሮም ስንቆምውን ሒዞም ኪቃባበልዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ክልተ ናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንጽሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።
28 ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል ክምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ሶርያውያን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር፡ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኰነን፡ ስለ ዝበሉ፡ ስለዚ ብዘሎ እዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።
29 እዚኣቶም ድማ ኣብ መንጽር እቲኣቶም ሾብዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ውግእ ኰነ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ።
30 እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሀደሙ። ነትም ዝተረፉ ዕስራን ሾብዓተን ሽሕ ሰብ ከኣ መካበብያ ወደቖም። ቤን-ሃዳድ ድማ ሀዲሙ ናብታ ኸተማ ናብ ፍቕዳ ውሻጠ ይአቱ ነበረ።
31 ገላዉኡ ኸኣ፡ እንሆ ሕጂ፡ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል ምሕረተኛታትን ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣሎና እሞ፡ ምናልባሽ ህይወትካ እንተ መሐረካስ፡ በጃኻ፡ ኣብ ሕቜና ወጮ ተዐጢቕና፡ ኣብ ርእስና ኸኣ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንውጻእ፡ በልዎ።
32 እምበኣርሲ ወጮ ተዐጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል ድማ መጽኦም። ጊልያኻ ቤን፦ሃዳድ፡ ንነፍሰይ ብህይወት ሕደጋ፡ ኢሉ ይልምነካ ኣሎ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፡ ንሱ ሓወይ እዩ። በለ።
33 እቶም ሰባት ድማ ነዚ ጽቡቕ ፋል ገይሮምዎ፡ ተቐላጢፎም፡ እወ፡ ቤን-ሃዳድ ሓውካ እዩ፡ ኢሎም ብእኡ ሐዝዎ። ንስ ኸኣ፡ ኪዱ፡ ኣምጽእዎ፡ በለ። ቤን-ሃዳድ ድማ ናብኡ ወጸ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ።
34 ቤን-ሃዳድ ድማ፡ እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፡ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፡ ንስካ ድማ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ግበሮ፡ በሎ። ኣከኣብ ከኣ፡ ኣነ ድማ በዚ ውዑል እዚ እሰደካ፡ በሎ። ምስኡ ኺዳን ኣትዩ ከኣ ሰደደ።
35 ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነብያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንብጻዩ። በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ምውቃዕ ኣበየ።
36 ሽዑ ንሱ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካ፡ እንሆልካ፡ ካባይ ምስ ከድካ፡ ኣንበሳ ኪቐትለካ እዩ፡ በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ።
37 ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ፡ በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ወቕዖ፡ ወቒዑ ድማ ኣቚሰሎ።
38 እቲ ነብዪ ኸኣ ከይዱ፡ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፡ መልክዑ ለዊጡ፡ ነቲ ንጉስ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ተጸበዮ።
39 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ንሱ ናብ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ጠርዔ፡ ጊልያኻ ናብ ማእከል ውግእ ወጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ሐልዎ፡ ኢሉ ሓደ ሰብኣይ ኣምጽኣለይ። እንተ ጠፍኤ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ ኽትሐልፍ እያ፡ ወይ ሓደ ታለንት ብሩር ክትከፍል ኢኻ፡ በለኒ።
40 ኰነ ድማ፡ ጊልያኻ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ኺዐዪ ኸሎ፡ ንሱ ጠፍኤ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ባዕልኻ ቘሪጽካዮ፡ ፍርድኻ ኸምኡ እዩ፡ በሎ።
41 ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ንሱ ኻብ ነብያት ከም ዝዀነ ኣለለዮ።
42 ነቲ ንጉስ ድማ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ዝሐረምክዎ ሰብአይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ኸኣ ህዝብኻ ይኹን።
43 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጒህዩ፡ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ መጸ።

 

1 ድሕሪዚ ነገር ኣዚ ኸኣ ዀነ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ ኣብ ይዝርኤል፡ ኣብ ጥቓ ኣደራሽ ኣከአብ ንጉስ ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።
2 ኣከአብ ድማ ንናቦት፡ እዚ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ፡ ኣታኽልቲ ሓምሊ ኪዀነንስ፡ ሀበኒ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፡ ወይስ እንተ ፈቶኻ፡ ገምጋሙ ገንዘብ ክህበካ፡ ኢሊ ተዛረቦ።
3 ናቦት ድማ ንአከኣብ፡ እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎ።
4 ኣከአብ ከኣ በቲ ናቦት ይዝርኤላዊ፡ ርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካን፡ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ጒህዩን ተቘጢዑን ናብ ቤቱ ኣተወ። ገጹ ንንየው መሊሱ ኸኣ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ፡ እንጌራውን ምብላዕ ኣበየ።
5 ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺኣ፡ እንጌራ ዘይትበልዕ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ፡ በለቶ።
6 ንሱ ኸኣ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ፡ ብገንዘብ፡ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሃበኒ ኢለዮ ነበርኩ፡ ንሱ ግና ኣታኽልቲ ወይነይሲ ኣይህበካን እየ፡ ኢሉኒ፡ በላ።
7 ሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጂስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ፡ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ልብኻውን ይተሐጐስ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶ።
8 ብስም ኣከአብ ደብዳቤታት ጽሒፉ፡ ብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን።
9 ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፡ ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ።
10 ኣብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፡ ኢሎም ይመስክሩሉ። ኣውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ፡ ዚብል ጸሐፈት።
11 እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብ ከተማኡ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከኣ ከምቲ ኢዛቤል ዝለአኸትሎም፡ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ተጽሒፉ ዝነበረ ገበሩ።
12 ጾም ኣውጆም ንናቦት ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ።
13 እቶም ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፡ እቶም ናይ ብልያል ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝብ፡ ታቦት ኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ፡ ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ። ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ።
14 ሽዑ፡ ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ፡ ሞይቱ፡ ኢሎም ንኢዛቤል ለአኹላ።
15 ኰነ ኸኣ፡ ኢዛቤል ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ናቦት ብህይወቱ የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ከይህበካ ዝአበየ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ውረሶ፡ በለቶ።
16 ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ፡ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣከአብ ኪወርሶ ተንሲኡ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ወረደ።
17 ንኤልያስ ቲስቢታዊ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መጾ፡
18 ተንስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዚነብር ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺወርሶ ኢሉ ዝወረዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ።
19 ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሂር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቀቲልካስ፡ ወረስካዮዶ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ኣብታ ኣኽላባትስ ደም ናቦት ዝለሐሱላ ቦታ፡ ንኣኻ ድማ ደምካ ኣብኣ ኣኽላባት ኪልሕሱ እዮም፡ ኢልካ ተዛረቦ።
20 ኣከአብ ከኣ ንኤልያስ፡ ኣታ ጸላእየይ፡ ረኸብካኒዶ፡ በሎ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ክትገብር ስለ እተሸጥካ፡ እወ ረኺበካ።
21 እንሆ፡ ኣነ ኽፉእ ከምጽኣልካን ክዂስትረካን እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ ፍቱሕ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኻብ ኣከአብ ከጽንቶ እየ።
22 ስለቲ ዘቘጣዕካኒ ቚጥዓን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሐትካዮን፡ ንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ።
23 ብዛዕባ ኢዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መከባብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።
24 ካብ ቤት ኣከአብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።
25 ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ፡ ከም ኣከአብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረን።
26 ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጣኦታት ብምስዓቡ ብዙሕ ፍንፉን ነገር ገበረ።
27 ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ስጋኡ ማቕ ከዱኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰ፡ ቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ።
28 ሽዑ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ቲስቢታዊ መጺኡ በሎ፡
29 ኣከአብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዮዶ፡ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሐተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ከምጽኦ እየ።

 

1 ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ከኣ ውግእ ዜልቦ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ።
2 ኰነ ድማ፡ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ።
3 እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንገላዉኡ፡ ራሞት-ጊልዓድ ናትና ምዃናስ ትፈልጡዶ ኣሎኹም፡ ንእኣ ኻብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኸይንወስዳ ድማ ንሕና ስቕ ኢልናዶ ኣሎና፡ በሎም።
4 ንዮሳፋጥ ከኣ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋጋኣስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣነ ኸማኻ እየ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም፡ በሎ።
5 ዮሳፋጥ ከኣ ነቲ ንጉስ እስራኤል፡ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ክትሐትት፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ።
6 ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ኣርባዕተ ሚእቲ ዚአኽሉ ሰባት ኣኪቡ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክዋጋእዶ ክኸይድ ወይ ክተርፍ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ደይብ ደኣ፡ ጐይታ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፡ በሉ።
7 ዮሳፋጥ ከኣ፡ ገናዶ እንሐቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ የልቦን፡ በለ።
8 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ገና ሓደ ሰብኣይ፡ ሚክያስ ወዲ ዪምላ፡ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሐቶ እባ ኣሎ። ግናኸ ንሱ ኽፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፡ ኣነ እጸልኦ እየ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ከኣ፡ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፡ በለ።
9 ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑ፡ ንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ።
10 እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኲላቶም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ።
11 ጸድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሶርያውያን ክሳዕ ዚውድኡ በዚአተን ክትወግኦም ኢኻ፡ በለ።
12 ኲሎም ነብያት ድማ ከምኡ፡ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፡ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።
13 እቲ ንሚክያስ ኪጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ፡ ዘረባኻ ድማ፡ በጃኻ፡ ከም ዘረባ ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ፡ ጽቡቕ ተዛረብ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
14 ሚክያስ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚብለኒ፡ ንእኡ ኸም ዝዛረብ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ።
15 ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ፡ ኣታ ሚክያስ፡ ኬድናዶ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣ፡ ወይስ ክንተርፍ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህበ እዩ፡ በሎ።
16 እቲ ንጉስ ድማ፡ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ፡ በሎ።
17 ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኤኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፡ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ፡ በለ።
18 እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩ ደይበልኩኻን፡ በሎ።
19 ሚክያስ ድማ በሎ፡ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡ ብዘሎ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሙ ቘይሙ ርኤኹ።
20 እግዚኣብሄር ድማ፡ ንአከኣብ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ኣብኣ ኺወድቕሲ፡ መን ይሐባብሎ፡ በለ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ከምቲ በለ።
21 ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ፡ ኣነ ኽሐባብሎ፡ በለ።
22 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብምንታይ ጌርካ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ወጺኤ ኣብ ኣፍ ኲሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንስኻስ ትሐባብሎም ኢኻ፡ ትኽእሎ ድማ፡ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፡ በሎ።
23 ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣፍ እዞም ኲሎም ነብያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ።
24 ሽዑ ጸድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምንጋጋኡ ጸፍዖ፡ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ኺዛረብ ካባይ ዝሐለፈስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ፡ ድማ በሎ።
25 ሚክያስ ከኣ፡ እንሆልካ፡ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትአትወላ መዓልቲ ኽትርኢ ኢኻ፡ በለ።
26 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለ፡ ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለሶ፡
27 በል ከኣ፡ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግበርዎ፡ እንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ።
28 ሚክያስ ድማ፡ ርግጽ ብሰላም እንተ ተመለስካስ፡ እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝቢ ዂላትኩም፡ ስምዑ፡ ከኣ በለ።
29 ከምኡ እቲ ንጉስ እስራኤልን፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።
30 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክአቱ እየ፡ ንስኻ ግና ልብስኻ ተኸደን፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ትርኢቱ ለዊጡ ናብቲ ውግእ ኣተወ።
31 እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም ሰላሳን ክልተን ሓላቑ ሰረገላታቱ፡ ንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደአ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ፡ ምስ ዓብዪ ዀነ ኣይትዋግኡ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
32 ኰነ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረአይዎ፡ እዚ ርግጽ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ፡ በሉ፡ ኪዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ኣግለሱ። ዮሳፋጥ ድማ ጨርሔ።
33 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረአዩ፡ ካብ ምስጓጉ ተመለሱ።
34 ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፡ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሞ ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ ተወጊኤ እየ እሞ፡ ኢድካ ምለሳ፡ ካብዚ ሰፈር ኣውጽኣኒ፡ በሎ።
35 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዔ፡ እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኰይኑ ኣብ ሰረገላኡ ደው ኢሉ ነበረ፡ ምሸት ድማ ሞተ። ደም እቲ መውጋእቱ ኸኣ ናብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ፈሰሰ።
36 ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይመለስ፡ ዚብል ኣዋጅ በቲ ሰፈር ሐለፈ።
37 እቲ ንጉስ ድማ ሞተ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ ወሰድዎ፡ ነቲ ንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ።
38 ነቲ ሰረገላ ኸኣ ኣብ ሓጽቢ ሰማርያ ሐጸብዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ድማ፡ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሐስዎ፡ ኣመናዝር ከኣ ኣብኡ ተሐጽባ።
39 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣከኣብ ነገርን እቲ ዂሉ ዝገበሮን እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን እተን ዝሰርሔን ኲለን ከተማታት ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
40 ኣከአብ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ።
41 ዮሳፋጥ ወዲ ኣሳ ድማ ንአከኣብ ንጉስ እስራኤል ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።
42 ዮሳፋጥ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሂ እያ።
43 ንሱ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ኣሳ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን።
44 ነቲ በረኽቲ ግና ኣየርሐቖን፡ እቶም ህዝብስ ገና ኣብ በረኽቲ ደአ ይስውኡን ይዐጥኑን ነበሩ።
45 ዮሳፋጥ ከኣ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ነበሮ።
46 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን እቲ እተዋግኦን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
47 ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ ተሪፎም ዝነበሩ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ከኣ ካብታ ሃገር ኣጥፍኦም፡
48 ሽዑ ግና ኣብ ኤዶም ንጉስ ኣይነበረን፡ ምስለኔ እዩ ዚገዝእ ዝነበረ።
49 ዮሳፋጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኼምጽኣ መራኽብ ተርሲስ ሰርሔ፡ ግናኸ እተን መራኽብ ኣብ ዔጽዮን-ጋበር ተሰብራ እምበር፡ ኣይከዳን።
50 ሽዑ ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ንዮሳፋጥ፡ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ብመራኽብ ይኺዱ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ግና ኣይፈተወን።
51 ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ።
52 ኣሃዝያ ወዲ ኣከአብ ድማ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾቦኣተ ዓመቱ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ክልተ ዓመት ኣብ እስራኤል ገዝኤ።
53 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን ብመገዲ ኣዲኡን ብመገዲ እቲ ንእስራኤል ዘስሐተ የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከደ።
54 ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንበዓል ኣገልገለ ሰገደሉውን እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዀረዮ።

 

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...