ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ነገሥት ካልዕ 2 (2 Kings)

መጽሓፍ 2 ነገስታት ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤልን ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳን እያ እትገልጽ፣ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ መንፈሳዊ ዓወትን ውድቀትን ከም ዚህልዋ ዚገብር እዩ። እታ መጽሓፍ እስራኤልን ይሁዳን ስለምንታይ ዕቝባ ጐይታ ኸም ዝሰኣኑን ከም እተሳዕሩን እውን ትገልጽ እያ ።

መጽሐፈ ነገሥት ካልዕ 2 (2 Kings)

1 ድሕሪ ሞት ኣከኣብ ድማ ሞኣብ ካብ እስራኤል ዐለወ
2 ኣሓዝያ ኸኣ ካብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደርቢ ቤቱ ብዓይነ ርግቢ ጸደፈ እሞ ሐመመ፡ ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኪዱ እሞ ካብዚ ሕማመይ ዝሐዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ሕተቱለይ፡ በሎም።
3-4 ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቀባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐቱ ዝኸድኩምሲ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር በሎም፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከኣ ኸደ።
5 እቶም ልኡኻት ድማ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እተመለስኩም፧ በሎም።
6 ንሳቶም ድማ በልዎ። ሓደ ሰብኣይ ኪቃባበለና ደዪቡ፡ ናብቲ ዝለአኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ዝለአኽካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኢልኩም ተዛረብዎ፡ በለና።
7 ንሱ ኸኣ፡ እቲ ኺቃባበለኩም ደዪቡስ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በሎም፡
8 ንሳቶም ድማ፡ ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቊ እተዐጥቀ ሰብአይ እዩ፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ንሱ ኤልያስ ቲስቢታዊ እዩ፡ በለ።
9 እቲ ንጉስ ከኣ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ፡ ውረድ፡ ይብለካ ኣሎ፡ በሎ።
10 ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።
11 መሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ፡ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
12 ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።
13 መሊሱ ድማ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ፡ እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸኣ ደየበ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላዉኻን ኣብ ቅድሜኻ ኽቡራት ይኹና።
14 እንሆ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሓላቑ ሓምሳስ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም፡ ሕጂ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ኽብርቲ ትኹን።
15 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ፡ ምስኡ ውረድ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይትፍራህ፡ ኢሉ ተዛረቦ፡ ተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ።
16 ንእኡ ድማ ተዛረቦ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ልኡኻት ዝሰደድካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ነገሩ እትሐቶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብዚ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር።
17 ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ሞተ። ወዲ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ክንዳኡ ዮራም ነገሰ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ ንዮራም ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ዀነ።
18 እቲ ዝተረፈ ኣሓዝያ ዝገበሮ ነገሩ። ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን።

1 ኰነ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ኬዕርጎ ምስ ደለየ፡ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ ካብ ጊልጋል ከደ።
2 ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ቤት-ኤል ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ኤልሳእ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ወረዱ።
3 እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ፈሊጥካ ኣሎኻ፧ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ።
4 ኤልያስ ከኣ፡ ኣታ ኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ናብ ያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ያሪኮ ኸኣ መጹ።
5 ኣቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ድማ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደአ በሉ፡ በለ።
6 ኤልያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ክልቲኦም ከኣ ኸዱ።
7 ኣብ ደቂ ነብያት ድማ ሓምሳ ሰብ ከይዶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ መንጽሮም ደው በሉ፡ እቶም ክልተ ኸኣ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ።
8 ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ፡ ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩ።
9 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በለ።
10 ንሱ ኸኣ፡ ዜሸግር ነገር ለመንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ፡ በለ።
11 ኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ።
12 ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩ፡ ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረ። መሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ሒዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ።
13 ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ኣልዒሉ ኸኣ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ።
14 ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ ኣሎ፧ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለ፡ ኤልሳእ ከኣ ተሳገረ።
15 እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ነብያት ምስ ረኣይዎ ድማ፡ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሓዲሩ ኣሎ፡ በሉ። ኪቃባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ።
16 ንሳቶም ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ገላዉኻ ሓምሳ ሓያላት ሰባት ኣለዉ እሞ፡ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ ኸረን ወይ ኣብ ሓደ ሽንጭሮ ደርብይዎ ኸይከውንሲ፡ በጃኻ፡ ከይዶም ይድለይዎ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይትስደዱ፡ በለ።
17 ክሳዕ ዚሐፍር ግዲ ምስ በልዎ ኸኣ፡ ንሱ። ስደዱ፡ በሎም። ሓምሳ ሰብ ከኣ ሰደዱ፡ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን።
18 ንሱ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ድማ፡ ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን፡ በሎም።
19 ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ።
20 ንሱ ኸኣ፡ ወዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ ጨው ድማ ግበሩሉ፡ በለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ።
21 ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን።
22 እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ ኣሎ።
23 ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበ። ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕ። ደይብ፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኢሎም ኣላገጹሉ።
24 ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮም፡ ብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ።
25 ካብኡ ኸኣ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ከደ፡ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ።

1 ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
2 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡን ኣዲኡን ግና ኣይኰነን፡ ንሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ በዓል ኣርሐቖ።
3 ግናኸ ኣብቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ጠበቐ እምበር፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
4 ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ገንሸልን ሚእቲ ሽሕ ድዑል ምስ ጸጒሮምን ይግብረሉ ነበረ።
5 ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ምስ ሞተ፡ እቲ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዐለወ።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ ንብዘሎ እስራኤል ቈጸረ።
7 ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸኣ፡ ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዐልዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ ክንዋግኦስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ እድይብ፡ ኣነ ኸማኻ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ፡ በለ።
8 ንሱ ኸኣ፡ በየናይ መገዲኸ ንደይብ፡ በለ። ብመገዲ በረኻ ኤዶም፡ በለ።
9 ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምን ድማ ኸዱ፡ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ምስዞሩ ኸኣ፡ ንሰራዊቶምን ነተን ዚስዕባኦም ዝነበራ እንስሳን ማይ ሰኣኑ።
10 ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል። ኣየ፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ጸውዖም፡ በለ።
11 ዮሳፋጥ ግና፡ ብእኡ ንእግዚኣብሄር እንሐተሉ ነብዪ እግዚኣብሄርዶ ኣብዚ የልቦን፧ በለ። ሽዑ ሓደ ካብ ገላዉ ንጉስ እስራኤል፡ እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣብዚ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ።
12 ዮሳፋጥ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ምስኡ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ኰይኖም ድማ ናብኡ ወረዱ።
13 ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ንኣይን ንኣኻን እንታይ ኣራኺቡና፧ ናብቶም ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደአ ኺድ፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ኣይፋል፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ደአ ኣብ ኢድ ሞአብ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ ዝጸውዖም፡ በሎ።
14 ኤልሳእ ከኣ፡ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡ ኣነ ኣይምጠመትኩኻን ኣይምርኤኹኻን ድማ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡
15 ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዔ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መጸቶ፡
16 በለ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዚ ርባ እዚ ጐዳጒዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዂዐቱ።
17 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንፋስ ኣይትርእዩን፡ ዝናምውን ኣይትርእዩን፡ እዚ ርባ ደአ ባዕሉ ማይ ይመልእ እሞ፡ ንስኻትኩምን እንስሳኹምን ከብትኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።
18 እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፡ ንሞኣብውን ኣሕሊፉ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ።
19 ንስኻትኩም ድማ ንዂለን ዕሩዳት ከተማታትን ንዂለን ሕሩያት ከተማታትን ከተጥፍእወን ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ከኣ ክትቈርጹ፡ ኲሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበል ግራት ከኣ በእማን ከተብኣላሽውዎ ኢኹም።
20 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚዐርገላ ጊዜ፡ እንሆ፡ ማይ ብመገዲ ኤዶም ኣቢሉ መጸ፡ እታ ሃገር ከኣ ማይ መልኤት።
21 ብዘለዉ ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ኪዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑ፡ ኣጽዋር ኪዐጥቕ ዚኽእል ዘበለ ኻብኡ ንላዕሊውን ከቲቶም ኣብቲ ዶብ ቈሙ።
22 ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ። ጸሓይ ከኣ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንጸባረቐት፡ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንጽሮም ከም ደም ቀዪሑ ረአይዎ።
23 ሽዑ፡ እዚ ደም እዩ፡ እቶም ነገስታት ብርግጽ ተዋጊኦም ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ቐቲሉ እዩ። እምበአር ሕጅስ፡ ኣታ ሞኣብ፡ ኪድ ማርኽ፡ በሉ።
24 ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፡ ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ።
25 ነተን ከተማታት ከኣ ኣፍረሱ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኤእምኖም ደርብዮም መልእዎ፡ ንዂሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ድማ ቈረጽዎ። ንቂር-ሓረሰት እምኒ ጥራይ ክሳዕ ዜትርፍዋ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ተዋግእዋ።
26 እቲ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየ፡ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሐልፍ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ወሰደ፡ ግናኸ ኣይከአሉን።
27 ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑ፡ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ።

1 ካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብአየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ በዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኺገብሮም መጺኡ ኣሎ፡ ኢላ ጠርዔት።
2 ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ፧ ኣብ ቤትኪ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ብጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት።
3 ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራይ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ።
4 እተዊ። ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሸጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ገይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ።
5 ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ። ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነታ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት።
6 ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልኤ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ ኣይመጽኣለይ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደጊምሲ ግይቢ የልቦን፡ በላ። እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ።
7 ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ። ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ።
8 ሓደ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ኤልሳእ ናብ ሹኔም ሐለፈ። ኣብኡ ኸኣ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ፡ እንጌራ ኺበልዕ ግዲ በለቶ። ኰነ ድማ፡ ኲሉ ሳዕ ብእኣ ምስ ዚሐልፍ፡ እንጌራ ኺበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ።
9 ንሰብኣያ ኽኣ፡ እንሆ እዚ ወርትግ በዚ ዚሐልፍ፡ ንሱ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ።
10 እምበኣርሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ልዕሊ መንደቕ ንእሽቶ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ሰደቓን መንበርን ቀዋሚ ቐንዴልን ንግበር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናባና ምስ ዚመጽእ፡ ናብኣ የግልስ፡ በለቶ።
11 ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብኣ መጸ፡ ናብታ ቤት ኣግሊሱ ድማ ኣብኣ ደቀሰ።
12 ንገሓዚ ድማ። እቲ ጊልያኡ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዖያ፡ በሎ። ምስ ጸውዓ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።
13 ንሱ ኸኣ ንእኡ፡ እንሆ፡ እዚ ዂሉ ሓልዮት እዚ ሐሌኽልና፡ እንታይ እሞ ኺግበረልኪ እዩ፧ ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊት ዚዝረብዶ ኣሎኪ፧ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘሎኹ፡ በለት።
14 እንታይ ደአ ኽገብረላ እየ፧ በለ። ገሓዚ ኸኣ፡ ውሉድ እምበር የብላን፡ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ፡ በለ።
15 ንሱ ኸኣ፡ ጸውዓያ፡ በለ። ምስ ጸውዓ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ቤት ደው በለት።
16 ንሱ ኸኣ፡ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሐቚፊ ኢኺ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንገረድካ ኣይትሐስዋ፡ በለት።
17 እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ፡ ንዓመታኡ በታ ጊዜ እቲኣ ወዲ ወለደት።
18 እቲ ቘልዓ ድማ ዐበየ። ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ኣቦኡ ናብ ዓጻዶ ወጸ።
19 ነቦኡ ድማ፡ ርእሰይ፡ ርእሰይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ንጊልያኡ። ሐንጊርካ ናብ ኣዲኡ ውሰዶ፡ በሎ።
20 ሓንጊሩ ኸኣ ናብ ኣዲኡ ኣእተዎ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ ብርካ ኾፍ በለ፡ ሽዑ ሞተ።
21 ንሳ ኸኣ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣደቀሰቶ፡ ብድሕሪኡ ሽጒራቶ ወጸት።
22 ንሰብኣያ ጸዊዓ ድማ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ጐይየ ኽምለስሲ፡ በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ፡ በለቶ።
23 ንሱ ኸኣ፡ ሰርቂ ወርሒ ኣይኰነ፡ ሰንበትውን ኣይኰነ፡ ስለምንታይ ደአ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ደሓን፡ በለት።
24 ሽዑ ነታ ኣድጊ ጽዒና ነቲ ጊልያኣ፡ ኪድ ምራሕ፡ ኣነ እንተ ዘይበልኩኻ ኣብ መገዲ ጠጠው ኣይተብለኒ፡ በለቶ።
25 ተበጊሳ ድማ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከደት። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣማዕድዩ ምስ ረአያ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ፡ እታ ሹናማዊት፡ ኣብኡ እንሃ፡
26 በጃኻ፡ ሕጂ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ደሓንዶ ኢኺ፧ ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ፧ እቲ ወዲኺ ደሓንዶ ኣሎ፧ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ ደሓን በለት።
27 ናብቲ ኸርን፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ መጸት ከኣ፡ በእጋሩ ኣጽኒዓ ሐዘቶ። ገሓዚ ድማ ኪደፍኣ ቐረበ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ ነፍሳ እተመረረት እያ እሞ፡ ሕደጋ ደኣ፡ እግዚኣብሄር ግዳ ሓቢኡለይ እዩ፡ ኣይገለጸለይን ድማ፡ በሎ።
28 ንሳ ኸኣ፡ ወዲ ሀበኒ ኢለዶ ኻብ ጐይታይ ለሚነ ነይረ እየ፧ ኣይትጠብረኒዶ ኢለካ ኣይነበርኩን፧ በለት።
29 ሽዑ ንገሓዚ፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ፡ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፡ ገለ ሰብ እንተ ረኸበካ ከኣ፡ ከመዓልካ ኣይትበሎ፡ ከመዓልካ እንተ በለካውን ኣይትምለሰሉ። ነዛ በትረይ ድም ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንብራ፡ በሎ።
30 ኣደ እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ ከይሐድገካ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለት። ተንሲኡ ድማ ደድሕሪኣ ኸደ።
31 ገሓዚ ኸኣ ቀዲምዎም ሐሊፉ፡ ነታ በትሪ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፡ ግናኸ ደሃይ ኣይነበሮን፡ ምስማዕውን ኣይነበሮን። ሽዑ ኺቃባበሎ ተመሊሱ፡ እቲ ቘልዓ ኣይተንስኤን፡ ኢሉ ነገሮ።
32 ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፡ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ጸንሖ።
33 ናብታ ቤት ኣትዩ ኸኣ፡ ድሕሪ ኽልቲኦም ነቶ ማዕጾ ሸጐሮ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ከኣ ለመነ።
34 ደዪቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ፡ ኣፉ ኸኣ ኣብ ኣፉ፡ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፡ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሔ፡ ስጋ እቲ ቘልዓ ኸኣ ሞቐ።
35 መሊሱ ድማ ኣብታ ቤት ሓንሳእ ናብዚ ሓንሳእ ናብቲ ኣቢሉ ተዛወረ፡ ከም ብሓድሽ ደዪቡ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ሾብዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ።
36 ሽዑ ኤልሳእ ንገሓዚ ጸዊዑ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ፡ በሎ። ጸዊዑ ኸኣ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ፡ ወድኺ ውሰዲ፡ በላ።
37 ኣትያ ኽኣ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ ድማ ወጸት።
38 ኤልሳእ ከኣ ናብ ጊልጋል ተመልሰ፡ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነብያት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ነቲ ዓብዪ ቚራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነብያት ጸብሒ ኣፍልሓሎም፡ በሎ።
39 ሓደ ኸኣ ሓምሊ ኺሐምል ናብ መሮር ወጸ፡ ወይኒ መሮር ድማ ረኸበ፡ ካብኡ ኸኣ ሓምሊ መሮር ሓሚሉ ኽዳኑ መሊኡ ኣተወ፡ ስለ ዘይፈለጥዎ ድማ፡ ናብቲ ቚራዕ ቀርደዶ።
40 ምእንቲ ኪበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሓሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቲ ጸብሒ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብዝስ ቚራዕ ሞት ኣሎ፡ ኢሎም ጨርሑ። ኪበልዕዎ ኸኣ ኣይከኣሉን።
41 ሽዑ ንሱ፡ ሓርጭ ኣምጽኡ፡ በለ። ኣብ ቊራዕ ኣእትይዎ ድማ፡ ምእንቲ ኺበልዑ፡ ነቶም ህዝቢ ቕድሑሎም፡ በለ። ድሕርቲ ኣብቲ ቚራዕ ገለ ኽፉእ ነገር ኣይነበረን።
42 ካብ በዓል-ሻሊሻ ድማ ሰብኣይ መጸ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ናይ በዂራት እንጌራ፡ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሰዊት ስርናይ ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምጽኣሉ። ንሱ ድማ፡ ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሀቦም፡ በለ።
43 እቲ ኣገልጋሊኡ ኸኣ፡ እዚ ደአ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ክቕርበሎም እየ፧ በለ። ንሱ ግና፡ እግዚኣብሄር፡ ኪበልዑ እዮም፡ ኬትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደአ ሀቦም ይብልዕዎ፡ በለ።
44 ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ በሊዖምሲ ኣትረፉ።

 

1 ንእማን ድማ፡ ንንጉስ ሶርያ ሓለቓ ሰራዊቱ፡ እግዚኣብሄር ንሶርያ ብእኡ ዲል ሂብዎም ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓብይን ክቡርን ሰብ ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብርቱዕ ጅግና ነበረ፡ ግናኸ ለምጻም ነበረ።
2 ሶርያውያን ድማ ሓደጋ ኺወድቁ ወጺኦም ነበሩ፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ከኣ ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ። ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ንእማን ተገልግል ነበረት።
3 ንእመቤታ ኸኣ፡ ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ፡ ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ፡ በለት።
4 ንእማን ከኣ ኣትዩ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል ከምዝን ከምዝን ኢላ ተዛሪባ፡ ኢሉ ነገሮ።
5 እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ፡ እምበእርሲ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ ንንጉስ እስራኤል ደብዳበ ኽሰደሉ እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ ዓሰርተ ታለንት ብሩርን ሹድሽተ ሽሕ ሲቃል ወርቅን ዓሰርተ ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ።
6 ነታ ደብዳበ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብጽሓሉ፡ ንሳ ኸምዚ ትብል፡ ሕጂ ኸኣ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ መጸትካ፡ እንሆ፡ ንእማን ጊልያይ ካብ ለምጹ ኸተሕውዮ ኢለ ናባኻ ሰዲደዮ ኣሎኹ።
7 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ለምጹ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፡ ዝቐትልን ዘሕውንሲ፡ ኣነዶ ኣምላኽ እየ ንሱ ምኽንያት ጥራይ ይደልየኒ ኸም ዘሎ፡ በጃኹም፡ ፍለጡን ርአዩን፡ በለ።
8 ኰነ ድማ፡ ኤልሳእ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ ስለምንታይከ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ፡ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ኺፈልጥሲ ናባይ ይምጻእ፡ በሎ።
9 ንእማን ከኣ በፍራሱን ብሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ።
10 ኤልሳእ ከኣ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሓጸብ፡ እቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካ፡ ክትጸሪውን ኢኻ፡ በሎ።
11 ንእማን ግና ኰርዩ ኸደ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይረ።
12 ካብ ኲሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን ኣብኡ ተሐጺበዶ ኣይምጸሬኹን፧ በለ።ተናዲደ ኸኣ ገጹ መሊሱ ኸደ።
13 ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም፡ ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስ፡ ኣይምገበርካዮንዶ፧ ተሐጸብ እሞ ጽረ፡ እንተ በለካ ግዳ ኸመይ፧ ኢሎም ተዛረብዎ።
14 ሽዑ ወረዱ፡ ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለ፡ ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ፡ ጸረየውን።
15 ሽዑ ንሱ ምስ ብዘሎ ጭፍራኡ ተመሊሱ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጾ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ እንሆ፡ ሕጂስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዜልቦ ፈለጥኩ፡ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጽ በረኸት ተቐበል፡ በለ።
16 ንሱ ግና፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ከይቅበለካ፡ በለ። ንሱ ድማ ኪቕበሎ ግዲ በሎ። ንሱ ግና ኣበየ።
17 ሽዑ ንእማን፡ እዚ ኻብ ዘይኸውንሲ ንጊልያኻ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ መሬት ክትህቦ በጃኻ። ድሕሪ ደጊምሲ ጊልያኻ ንእግዚኣብሄር እምበር፡ ንኻልኦት ኣማልኽትስ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እዩ።
18 በዚ ነገር እዚ ግዳ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ ጐይታይ ኣብ ቤት ሪሞን ኣብኣ ኺሰግድ ኢሉ ምስ ዚአቱ፡ ንሱ ኣብ ኢደይ ይጐዝጐዝ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ሪሞን እሰግድ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ከሎኹ ድማ፡ በዚ ነገር እዚ ደኣ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ በለ።
19 ንሱ ድማ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ካብኡ ኸኣ ገለ ቕሩብ መገዲ ኸደ።
20 ገሓዚ ጊልያ ኤልሳእ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ግና፡ እንሆ፡ ጐይታይ ነዚ ንእማን ሶርያዊ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ኸይወስድ ነሐፎ። ህያው እግዚኣብሄር ኢለ፡ ደድሕሪኡ ጐይየ ገለ ኻብኡ ኽወስድ፡ እየ፡ በለ።
21 ሽዑ ገሓዚ ደድሕሪ ንእማን ሰዐበ። ንእማን ከኣ ደድሕሪኡ ኺጐዪ ምስረአዮ፡ ኪቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ፡ ደሓንዶ፧ በለ።
22 ንሱ ድማ፡ ደሓን፡ ጐይታይ ደአ፡ እነዉ ኽልተ መንእሰይ ካብ ደቂ ነብያት ካብ ከረን ኤፍሬም ሕጂ ሕጂ መጺኦምኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንኣታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሀቦም፡ ኢሉ ልኢኹኒ፡ በለ።
23 ንእማን ከኣ፡ ኤረ ኽልተ ታለንት ውሰድ፡ በለ። ግዲ ድማ በሎ። ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩ፡ ክልተ ለውጢ ኽዳውንቲውን ገይሩ ንኽልተ ገላውኡ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ቀቅድሚኡ ተሰከምዎ።
24 ኣብታ ዂርባ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣርነቦ፡ ነቶም ሰባት ድማ ሰደዶም፡ ከዱውን።
25 ንሱ ኸኣ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ደው በለ፡ ኤልሳእ ድማ፡ ገሓዚ፡ ካበይ መጺእካ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን፡ በለ።
26 ንሱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ኪቕበለካ ኸሎ፡ ልበይዶ ምሳኻ ኣይከደን፡ ብሩር ክትወስድ፡ ክዳውንትን ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከኣ ክትወስድሲ ጊዜኡ ድዩ፧
27 እምብኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለአለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።

 

1 እቶም ደቂ ነብያት ድማ ንኤልሳእ፡ እንሆ፡ እዛ ኣብ ቅድሜካ ኣብኣ እንነብር ዘሎና ቦታ ጸቢባትና እያ።
2 በጃኻ፡ ክሳዕ ዮርዳኖስ ንኺድ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓሓደ ሰርወ ኣምጺእና ኸኣ፡ ኣብኡ እንነብረላ ስፍራ ንኣና ንስራሕ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ኪዱ፡ በለ።
3 ሓደ ኻባታቶም ከኣ፡ በጃኻ፡ ንስኻውን ፈቲኻ ምስ ገላዉኻ ኺድ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ፡ ኣነ እኸይድ፡ በለ።
4 ምሳታቶም ከኣ ኸደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ መጹ ድማ፡ ሰርወ ቘረጹ።
5 ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻባታቶም ሰርወ ኪቘርጽ ከሎ፡ እቲ ሓጺን ነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ። ሽዑ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ንሱ ድማ ናይ ልማኖ እዩ፡ ኢሉ ጨርሔ።
6 እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ፡ ኣበይ ወዲቑ፧ በለ። እታ ቦታ ድማ ኣርኣዮ። ሽዑ ንሱ ዕጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ፡ እቲ ሓጺን ከኣ ጸብለል በለ።
7 ሽዑ ድማ፡ ውሰዶ፡ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ።
8 ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኤ። ምስቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ ኣብ ቦታ እከለን ኣከለን ክሰፍር እየ፡ ኢሉ ተማኸረ።
9 እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ይወርድዋ ኣለዉ እሞ፡ ብእኣ ኸይትሐልፍ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ለአኸሉ።
10 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነገሮን ዝመዐዶን ቦታ ይሰድድ ነበረ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንሳእ ክልተ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነ ንርእሱ ተጠንቀቐ።
11 ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዚ ተሸበረ፡ ነቶም ገላውኡ ጸውዑ ኸኣ፡ ካባናስ እቲ ምስ ንጉስ እስራኤል ዝሓሳቡ መን ምዃኑዶ ኣይትነግሩንን ኢኹም፧ በሎም።
12 ሓደ ኻባታቶም ገላውኡ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ ግናኸ ኤልሳእ፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ፡ እቲ ኣብታ እትድቅሰላ ሕልፍኚ እተዛረብካዮ ዘረባ ንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ፡ በለ።
13 ንሱ ድማ፡ ልኢኸ ኸምጽኦስ፡ ንሱ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ርኣዩ፡ በለ። እንሆ፡ ኣብ ዶታን ኣሎ፡ ኢሎም ከኣ ነገርዎ።
14 ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገይሩ ናብኣ ሰደዶ፡ ብለይቲ መጺኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ።
15 እቲ ጊልያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያኡ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንታይ ክንገብር ኢና፧ በሎ።
16 ንሱ ኸኣ፡ ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለው ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለ።
17 ኤልሳእ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት፡ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።
18 ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳእ ድማ ብዑረት ወቕዖም።
19 ሽዑ ኤልሳእ፡ እታ መገዳስ እዚኣ ኣይኰነትን፡ እታ ኸተማ ኸኣ እዚኣ ኣይኰነትን፡ ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምሲ፡ ደድሕረይ ስዐቡ፡ በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ ወሰዶም።
20 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ፡ ኤልሳእ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኪርእዮስ ኣዒንቲ እዚኣቶም ክፈት፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ ረአዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ነበሩ።
21 እቲ ንጉስ እስራኤል ምስ ረአዮም ከኣ፡ ንኤልሳእ፡ ክቐትሎምዶ፡ ኣቦየ፡ ክቐትሎምዶ፡ በሎ።
22 ንሱ ድማ ኣይትቕተሎም፡ ነቲ ብሴፍካን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮምኸ፡ ንስኻ ትቐትሎዶ፧ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ኪምለሱስ፡ ኣብ ቅድሚኦም ግዳ እንጌራን ማይን ኣቕርበሎም፡ በለ።
23 ዓብዪ ምሳሕ ከኣ ገበረሎም፡ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም ከኣ ኸዱ። ድሕርቲ ኸኣ እቶም ሓደጋ ዚወድቁ ጭፍራ ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይተመልሱን።
24 ድሕርቲ ድማ ዀነ፡ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ፡ ንሰማርያ ኸኣ ከበባ።
25 ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እንሆ ድማ፡ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ሲቃል ብሩር፡ ስልዖ ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ክሳዕ ዚሽየጥ፡ ኣጽበቡላ።
26 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢላ ጨርሓትሉ።
27 ንሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ዘይረድኣክስ፡ ካብ ምንታይ ክረድኣኪ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽሙቚ ወይኒ፧ በለ።
28 እቲ ንጉስ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፡ ንወደይ ድማ ጽባሕ ክንበልዖ፡ በልክዋ። ንሳ ኸኣ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፡ ንወድይ ድማ ጽባሕ ክንበልዖ፡ በለትኒ።
29 ሽዑ ነቲ ወደይ ኣብሲልና ባላዕናዮ፡ ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ክንበልዖ፡ በልክዋ። ንሳ ግና ነቲ ወዳ ሐብኣቶ፡ በለት።
30 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ማቕ ከም ዘለዎ እቲ ህዝቢ ረአየ።
31 ንሱ ድማ፡ ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ቘይማስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ በለ።
32 ኤልሳእ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለአኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ ኸይመጸ ኸሎ፡ ንሱ ነቶም ዓበይቲ፡ እዚ ወዲ ቐታል ነፍስስ ርእሰይ ኪቘርጽ ከም ዝለአኸዶ ትርእዩ ኣሎኹም እቲ ልኡኽ ኪመጽእ ከሎ፡ ርኢኹም ነቲ ማዕጾ ሸጒርዎ እሞ ብማዕጾ ድፍእዎ፡ ድሕሪኡኸ ደሃይ እግሪ ጐይታኡዶ ኣይስማዕን፧ በሎም።
33 ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ ወሪዱ፡ እንሆ፡ እዚ እከይ ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክጽበዮ እየ፧ በለ።

 

1 ኤልሳእ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ኺሽመት እዩ።
2 እቲ ንጉስ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መሳዂቲ እንተ ዚገብርሲ፡ እዚ ነገር እዚ ይኸውንዶ፧ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ፡ በለ።
3 ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ለምጺ ነበሩ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ እንብል፧
4 ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፡ ኣብ ከተማ ጥሜት ኣሎ እሞ፡ ኣብአ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ንኺድ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድ፡ ብህይወት እንተ ሐደጉና፡ ብህይወት ንነብር፡ እንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።
5 ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኪኸዱ ተንስኡ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን።
6 ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታት ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ግብጻውያንን ተኻርዩ ኣባና ኣምጺእዎም እዩ፡ ተባሃሀሉ።
7 ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኦም፡ ሀደሙ። ድንኳውንቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮም ከም ዘሎ ሓዲጎምዎ ነፍሶም ኬድሕኑ ሀደሙ።
8 እቶም ለምጻማት እቲኣቶም ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፡ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፡ ከይዶም ከኣ ሐብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፡ ካብኡ ኸኣ ወሰዱ፡ ከይዶምውን ሐብእዎ።
9 ሽዑ ንሓድሕዶም እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንሳ መዓልቲ ብስራት እያ፡ ንሕና ኸኣ ስቕ ኢልና ኣሎና፡ ንግሆ ኽሳዕ ዚበርህ እንተ ጸናሕና ድማ፡ በደል ኪዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ኣቲና ንንገር፡ ተባሃሀሉ።
10 መጺኦም ድማ ንዘብዔኛ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳውንቲውን ከም ዘለዎ እምበር፡ ሰብ ኰነ፡ ድምጺ ሰብ ኰነ የልቦን፡ ኢሎም ነገሩ።
11 እቶም ዘብዓኛታት ከኣ ጸዊዖም ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ነገሩ።
12 እቲ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ንገላዉኡ፡ እቶም ሶርያውያን ዝገበሩና እሞ ክነግረኩም፡ ንሕና ጥሙያት ከም ዝዀንና ፈሊጦም ኣለዉ እሞ ካብ ከተማ ምስ ወጹ፡ ብህይወቶም ንሕዞም፡ ናብ ከተማ ኸኣ ንአቱ፡ ኢሎም ካብ ሰፈር ወጺኦም ኣብ መሮር ተሐቢኦም ኣለዉ፡ በሎም።
13 ሓደ ኻብ ገላዉኡ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ኣፍራስ፡ በጃኻ፡ ሓሙሽተ ይውሰዱ፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ ተሪፉ ዘሎ እስራኤል እዮም፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ እተወድኤ እስራኤል እዮም እሞ፡ ኪስልዩ ንስደዶም፡ ኢሉ መለሰ።
14 ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፡ እቲ ንጉስ ድማ፡ ኪዱ እሞ ርአዩ፡ ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም።
15 ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኦም ከዱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኲሉ መገዲ እቶም ሶርያውያን ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቓሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ።
16 ሽዑ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ገፈፎ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ዀነ፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ተሸመተ።
17 እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ነቲ ደገ ኺሕሉ ኣቘሞ። ግናኸ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ቓል፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ።
18 ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ኽልተ መስፈሪ ስገም ብሲቃል፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ድማ ብሲቃል ኪሽመት እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ኸኣ ዀነ።
19 እቲ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መስኰት እንተ ኸፈተ እኳ፡ ከምዚ ነገር እዚ ዝበለዶ ይኸውን ኢሉ፡ መሊሱ ነበረ። ንሱውን፡ እንሆ፡ በዒንትኻስ ክትርእዮ ኢኻ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኢሉ ነበረ።
20 ከምኡ ድማ ዀኖ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ።

 

1 ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር፡ ድሮ እኳ ጀሚሩ ዘሎ፡ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጽእ ጸዊዑ እዩ እሞ፡ ንስኽን ቤትክን ናብ እትስደድዎ ተሰደዱ፡ ኢሉ ተዛረባ።
2 እታ ሰበይቲ ኸኣ ተንሲኣ ኸም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ገበረት፡ ንሳን ቤታን ድማ ከይዶም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሾብዓተ ዓመት ተቐመጡ።
3 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሾብዓተ ዓመት እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፡ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት።
4 እቲ ንጉስ ከኣ ንገሓዚ፡ ጊልያ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ እቲ ኤልሳእ ዝገበሮ ዂሉ ዓብዪ ነገር ንገረኒ፡ ኢሉ ይዛረቦ ነበረ።
5 ኰነ ድማ፡ ምዉት ከም ዘተንስኤ፡ ንሱ ንንጉስ ኪነግሮ ኸሎ፡ እንሃ ኸኣ፡ እታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ኣብ ንጉስ ጠርዔት። ሽዑ ገሓዚ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እያ፡ እቲ ኤልሳእ ዘተንስኦ ወዳውን እዚ እዩ፡ በለ።
6 እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ሓተታ፡ ንሳ ኸኣ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ስሉብ ሀባ እሞ፡ ዝነበራ ዘበለ ኲሉን ነታ ምድሪ ኻብ እትሐድጋ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ እቶት እቲ ግራትን ኣምልሰላ፡ በሎ፡
7 ኤልሳእ ድማ ናብ ደማስቆ መጸ። ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ሐሚሙ ነበረ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብዚ መጺኡ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
8 ሽዑ እቲ ንጉስ ንሓዛኤል በሎ፡ ገጽ በረኸት ኣብ ኢድ ሒዝካ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትቃባበሎ ኺድ እሞ፡ ካብዚ ሕማም እዚ ደኾን ክሐዊ እዩ፧ ኢልካ ብእኡ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ሕተቶ በሎ።
9 ሓዛኤል ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ ገጽ በረኸት ናይ ደማስቆ በብሉጹ ዘበለ ኣርብዓ ጽዕነት ገመል ዚአክል ሒዙ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ ወድኻ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ካብዚ ሕማም እዚዶ ኽሐዊ እየ፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በለ።
10 ኤልሳእ ከኣ በሎ፡ ኪድ እሞ፡ ምሕዋይሲ ኽትሐዊ ኢኻ፡ በሎ። ግናኸ ብርግጽ ከም ዚመውት፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ።
11 እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ክሳዕ ዚሐንኽ ተኲሩ ጠመቶ፡ በኸየ ኸኣ።
12 ሓዛኤል ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩ። ዕርድታቶም ብሓዊ ኽትትኲስ፡ ነጒባዞም ከኣ ብሴፍ ክትቀትል፡ ንሕጻናቶም ድማ ክትጭፍልቕ፡ ንጥኑሳቶምውን ኣኽብደን ክትቀድድ ኢኻ፡ በሎ።
13 ሓዛኤል ከኣ፡ እዚ ዓብዪ ነገር እዚ ዝገብርሲ፡ ኣነ ባርያኻ፡ ሓደ ኸልቢ፡ እንታይ እየ፧ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ፡ በለ።
14 ካብ ኤልሳእ ከኣ ከደ፡ ናብ ጐይታኡ ድማ መጸ። ንሱ ኸኣ፡ ኤልሳእ እንታይ ኢሉካ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ክትሐዊ ኢኻ፡ በለኒ።
15 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ማቕ ወሲዱ፡ ኣብ ማይ ኣሊኹ፡ ኣብ ገጹ ገበረሉ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ሓዛኤል ነገሰ።
16 ንዮራም፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ኣከአብ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ድማ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነጊሱ ኸሎ፡ ዮራም፡ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
17 ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ።
18 ግናኸ ጓል ኣከአብ ሰበይቱ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከአብ ዝገበረቶ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ከዱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ዘበለ ገበረ።
19 እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኺህቦም ዘተስፈዎ፡ ስለ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፡ ንይሁዳ ኼጥፍኦ ኣይፈተወን።
20 ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ።
21 ሽዑ ዮራም፡ ኲሉ ሰረገላታቱ ኸኣ ምስኡ፡ ናብ ጻኢር ሐለፈ። ብለይቲ ተንሲኡ ድማ፡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረገላታትን ሰዐሮም፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።
22 ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ። ሊብናውን በቲ ጊዜ እቲ ዐለወት።
23 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮራም ነገርን እቲ ዂሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
24 ዮራም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ።
25 ንዮራም ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ኣከአብ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
26 ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓንቲ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ።
27 ንሱ ምስ ቤት ኣከአብ ሕምነት ነበሮ እሞ፡ ብመገዲ ቤት ኣከአብ ከደ። ከም ቤት ኣከአብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
28 ምስ ዮራም ወዲ ኣከአብ ኰይኑ ድማ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ።
29 ንጉስ ዮራም ከኣ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመልሰ። ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮራም፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሐሚሙ ነበረ እሞ፡ ኪርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ።

 

1 ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት ጸዊዑ በሎ፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ እዚ ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ኪድ።
2 ኣብኣ ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ንየሁ ወዲ ዮሳፋጥ፡ ወዲ ነምሺ፡ ኣብኡ ድለዮ፡ ኣቲኻ ድማ ካብ ማእከል ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ንእኡ ናብ ውሽጢ ሕልፊኚ ኣእትዎ።
3 ሽዑ ነቲ ቐርኒ ዘይቲ ውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሲስካ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ እየ፡ ድማ በሎ። ሽዑ ማዕጾ ኸፊትካ ህደም፡ ኣይትደንጒ።
4 እቲ መንእሰይ፡ ጊልያ እቲ ነብዪ፡ ከኣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ከደ።
5 ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቶም ሓላቑ እቲ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ ጒዳይ ኣሎኒ፡ በለ። የሁ ድማ፡ ካብ ኲልናስ ምስ መን እዩ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ፡ በለ።
6 ተንሲኡ ድማ ናብ ቤት ኣተወ፡ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ።
7 ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ዂሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስ፡ ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ።
8 ብዘላ ቤት ኣከኣብ ክትበርስ እያ፡ ኣብ እስራኤል ድማ እሱር ኰነ ዘይእሱር፡ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን ዘበለ፡ ካብ ኣከአብ ከጸንት እየ።
9 ንቤት ኣከአብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓብ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ።
10 ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡ ዚቐብራ ከኣ የልቦን፡ በለ። ማዕጾ ኸፊቱ ድማ ሀደመ።
11 የሁ ናብቶም ገላዉ ጐይታኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ደሓን ድዩ፧ እዚ ዕቡድ እዚ እንታይ ደልዩ እዩ መጺኡካ ዝነበረ፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ነቲ ዘረባኡን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም፡ በሎም።
12 ንሳቶም ግና፡ ሓሶት እዩ፡ ንስኻ ግዳ ንገረና፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ከምዝን ከምዝን ተዛረበኒ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ፡ በለኒ።
13 ሽዑ ተቓላጢፎም ነፍሲ ወከፍ ከክዳኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደያይቦ ኣንጸፉ፡ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ የሁ ነገሰ፡ በሉ።
14 የሁ፡ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ፡ ከኣ ንዮራም ተማሓሐለሉ። ብምኽንያት ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ዮራም፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኰይኖም ይሕልዉ ነበሩ።
15 ንጉስ ዮራም ግና እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመሊሱ ነበረ፡ የሁ ኸኣ። ፍቓድኩም እንተ ዀይኑስ። ከይዱ ኣብ ይዝርኤል ከይነግር ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ሀዲሙ ኣይውጻእ። በለ፡
16 ዮራም ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ። የሁ ኣብ ሰረገላ ደዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደ፡ ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ኪርኢ ወሪዱ ነበረ።
17 እቲ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ዘብዔኛ ኸኣ ጭፍራ የሁ ኺመጽእ ርእዩ፡ ኣነ ጭፍራ እርኢ ኣሎኹ። በሎ። ዮራም ድማ፡ ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ። ደሓንዶ ኢኹም። ኢሉ ኺቃባበሎ ስደዶ፡ በለ፡
18 ሓደ ኸኣ ፈረስ ተወጢሑ ኺቃባበሎ ኸይዱ። ንጉስ። ደሓንዶ ኢኹም፧ ይብል ኣሎ። በለ። የሁ ኸኣ። ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካ፧ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ። እቲ ዘብዔኛ ድማ። እቲ ልኡኽ ክሳዕ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን። ኢሉ ነበረ፡
19 ሽዑ ኻልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኦም መጺኡ፡ ንጉስ፡ ደሓንዶ ኢኹም፧ ይብል ኣሎ፡ በለ። የሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካ፡ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ።
20 እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ክሳዕ ናብኦም በጽሔ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን። ከም ዕቡድ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣኻይዳኡስ ከም ኣኻይዳ የሁ ወዲ ኒምሺ እዩ፡ ኢሉ ነገረ፡
21 ሽዑ ዮራም፡ ጽዐኑ፡ በለ፡ ሰረገላ ድማ ጸዐኑሉ። ዮራም ንግስ እስራኤል ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሰረገላኡ ደየበ፡ ንየሁ ኺቃባበልዎ ድማ ወጹ፡ ኣብ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ኸኣ ረኸብዎ።
22 ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረአዮ፡ የሁ፡ ደሓን ዲኻ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ፧ በለ።
23 ዮራም ድማ ኢዱ መሊሱ ሀደመ፡ ንኣሓዝያ ኸኣ፡ ኣታ ኣሓዝያ። ጠቢሩና እዩ፡ በሎ።
24 የሁ ግና ቀስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንዮራም ኣብ መንጎ መናኲቡ ወግኦ። እቲ ፍላጻ ድማ ብልቡ ወጸ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ተቘልዐጸ።
25 የሁ ንቢድቃር ሓላቓኡ፡ ኣልዒልካ ኣብ ክፍሊ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ደርብዮ፡ እቲ ኣነን ንስኻን ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከአብ ክንስዕብ ከሎና፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዘንበረሉ ዘክር፡
26 ነቲ ደም ናቦትን ደም ደቁን ብርግጽ ትማሊ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ፡ ይብል እግዚብሄር ወሲድካስ ኣብታ ግራት ደርብዮ፡ በሎ።
27 ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዚ ምስ ረአየ፡ ብመገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሀደመ። የሁ ግና ደድሕሪኡ ስዒቡ፡ ንእኡውን ኣብ ሰረገላ ኸሎ ውግእዎ፡ በሎም። ኣብታ ጥቓ ዪብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከኣ ወግእዎ። ናብ መጊዶ ሀዲሙ ድማ ኣብኡ ሞተ።
28 እቶም ገላዉኡ ኸኣ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ።
29 ኣሓዝያ ኸኣ ንዮራም ወዲ ኣከአብ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።
30 ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔት፡ ኣዒንታ ተዂሒላ፡ ርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት።
31 የሁ ብደገ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣታ ዚምሪ ቐታል ጐይታኡ፡ ደሓን ዲኻ፧ በለቶ።
32 ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መስኰት ኣንቃዕሪሩ፡ ምሳይ መን ኣሎ፧ መን፧ በለ። ሽዑ ኽልተ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ኣቢሎም ግልጽ በሉ።
33 ንሱ ድማ፡ ኣጽድፍዋ፡ በለ። ኣጽደፍዋ እሞ፡ ካብቲ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገ። ረጊጽዋ ኸኣ ሐለፈ።
34 ምስ ኣተወ ድማ፡ በሊዑን ሰትዩን። በጃኹም፡ ነዛ ርግምቲ እዚኣ ርአይዋ፡ ንሳ ጓል ንጉስ እያ እሞ፡ ቅበርዋ፡ በለ።
35 ኪቐብርዋ ከኣ ኸዱ፡ ግናኸ ብጀካ ቐረንትቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን፡
36-37 ተመሊስም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ።

 

1 ኣከአብ ከኣ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። የሁ ድማ ናብ ሰማርያ፡ ናብ ሓላቑ ይዝርኤል፡ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣከአብን ከምዚ ዚብል ደብዳበ ጽሒፉ ሰደደ፡
2 ሕጂ ኸኣ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ በጽሓትኩም፡ ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ከለዉ ሰረገላታትን ኣፍራስን እተዐርደ ኸተማን ኣጽዋርን ድማ ምሳኻትኩም ከሎስ፡
3 ካብቶም ደቂ ጐይታኹም እቲ ዝጸበቐን ዝሔሸን ርኢኹም ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ስለ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ።
4 ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ዘይቈሙስ፡ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም፧ በሎ፡
5 እቲ ኣዛዝ ቤትን እቲ ኣዛዝ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን ናብ የሁ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ ዝበልካና ዘበለ ዂሉ ንገብር፡ ባህ ዜብለካ ደአ ግበር እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና፡ ኢሎም ለአኹ።
6 ሽዑ ኻልእ ሳዕ፡ ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፡ ቃለይ ድማ እንተ ሰሚዕኩምሲ፡ አርእስ እቶም ሰባት ደቂ ጐይታኹም ውሰዱ እሞ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ይዝርኤል ናባይ ምጹ፡ ኢሉ ደብዳበ ጸሐፈሎም። እቶም ደቂ ንጉስ ድማ ሰብዓ ሰብ ምስቶም ዜዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነበሩ።
7 ኰነ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስ፡ ሰብዓ ሰብ። ሒዞም ሐረድዎም። ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ናብኡ ሰደድዎ።
8 ልኡኽ መጺኡ ኸኣ፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምጺኦምዎ፡ ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ ጽባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኣብ ክልተ ዂምራ ግበርዎ፡ በለ።
9 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ወጸ፡ ደው ኢሉ ድማ ነቲ ዂሉ ህዝቢ። ንስኻትኩምሲ ጻድቃን ኢኹም። እንሆ። ንጐይታይ እተማሓሐልኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ። ነዚኣቶም ኲሎምከ መን ቀተሎምም፧
10 እምብኣርሲ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ገለ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ እተዛረቦ ገበሮ፡ በለ።
11 የሁ ኸኣ ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከአብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዂሎምን ንብዘለዉ ዓበይቱን ኣመንቱን ካህናቱን ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ቐተሎም።
12 ድሕርዚ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ድማ መጸ፡ ኣብታ ኣብ መገዲ ዘላ ቤት መአከቢ ጓሶት ምስ በጽሔ፡
13 የሁ ነሕዋት ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ፡ ንስኻትኩም እንመን ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ኣሕዋት ኣሓዝያ ኢና፡ ንደቂ ንጉስን ደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣሎና፡ በሉ።
14 ንሱ ኸኣ፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰብ ከኣ ብህይወቶም ሒዝም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤት መአከቢ ጓሶት ዘሎ ዔላ ሐረድዎም፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን።
15 ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኪቃባበሎ ኸሎ ረኸቦ፡ ሰላም ኢልዎ ድማ፡ ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዘሎ፡ ልብኻኸ ቕኑዕ ድዩ፧ በሎ። ዮናዳብ ከኣ፡ ከምኡ እዩ፡ በለ። ከምኡ እንተ ደአ ዀይኑስ፡ ኢድካ ሀበኒ፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሀቦ። ናብ ሰረገላ ኸኣ ናብኡ ኣደየቦ።
16 ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር ርኤ፡ ድማ በለ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ኣወጥሕዎ።
17 ናብ ሰማርያ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንኤልያስ እተዛረቦ፡ ካብ ኣከአብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዂሎም ክሳዕ ዜጽንቶም ቀተሎም።
18 የሁ ድማ ንብዘለዉ ህዝቢ ኣኪቡ፡ ኣከኣብሲ ንበዓል ቅሩብ እዩ ዘገልግሎ፡ የሁ ግና ኣብዚሑ ኼገልግሎ እዩ።
19 ሕጂ ኸኣ፡ ንበዓል ብዙሕ ዝስውኦ ኣሎኒ እሞ፡ ንዂሎም ነብያት በዓል፡ ኲሎም ኣገልገልቱን ኲሎም ካህናቱን ጸውዑለይ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጒደል፡ ዝጐደለ ዘበለ ብህይወት ኣይነብርን እዩ፡ በሎም። የሁ ግና ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ምእንቲ ኼጽንቶም ኢሉ እዚ ብተንኰል ገበሮ።
20 የሁ ኸኣ፡ ንበዓል ዓብዪ በዓል ቀድሱ፡ በለ። ንሳቶም ድማ ኣወጁ።
21 የሁ ድማ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለአኸ፡ ኣገልገልቲ በዓል ከኣ ኲሎም መጹ፡ ከይመጸ ዝተረፈ ሰብ የልቦን። ናብ ቤት በዓል ድማ ኣተዉ፡ ቤት በዓል ከኣ ኣፍ ንኣፍ መልኤት።
22 ነቲ ሓላዉ ክዳውንቲ ድማ፡ ንዂሎም ኣገልገልቲ በዓል ክዳውንቲ ኣምጽኣሎም። በሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣምጸአሎም።
23 ሽዑ የሁ ምስ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል አተወ እሞ ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ጥራይሲ፡ ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይህሉ ኣስተብሂልኩም ርአዩ፡ በሎም።
24 መስዋእቲ ሕሩድን ዚሐርር መስዋእትን ኪስውኡ ኸኣ ኣተዉ። የሁ ግና ሰማንያ ሰብ ብወጻኢ ኣቐመጡ፡ ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘሎኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፡ ኣብ ክንዲ እታ ነፍሲ እቲአ ነፍሱ ኽትሐልፍ እያ፡ በለ።
25 ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈጸመ፡ የሁ ነቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን፡ እተዉ፡ ቅተልዎም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይውጻእ፡ በሎም። ብስሕለት ሴፍ ከኣ ቀተልዎም፡ እቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን ድማ ደርብዮምዎም ናብ ከተማ ቤት በዓል ከዱ።
26 ነቲ ኣብ ቤት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከኣ ኣውጺኦም ኣንደድዎ።
27 ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፡ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ ዓይነ ምድሪ ገይሮምዋ ኣለዉ።
28 የሁ ኸምዚ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ።
29 የሁ ግና ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ማለት ደድሕሪ እቶም ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኻብ ምስዓብ ኣየግለሰን።
30 እግዚኣብሄር ድማ ንየሁ፡ ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣጸቢቕካ ስለ ዝገበርካ፡ ንቤት ኣከአብውን ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዂሉ ስለ ዝገበርካያ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ በሎ።
31 ግናኸ የሁ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ኣየግለሰን።
32 በቲ ጊዜቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ኪቚርምማ ጀመረ። ሓዛኤል ድማ ንእስራኤል ኣብ ኲሉ ዶባቶም ወቕዖም፡
33 ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ንብዘላ ምድሪ ጊልዓድ፡ ንደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ኣብ ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንጊልዓድን ባሳንን ከኣ ሰዐሮም።
34 እቲ ዝተረፈ ናይ የሁ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ኲሉ መንፍዓቱን ድማ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
35 የሁ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያ ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣሓዝ ነገሰ።
36 እቲ የሁ ኣብ ሰማርያ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ድማ ዕስራን ሾሞንተን ዓመት እዩ።

 

1 ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዓሌት መንግስቲ ኣጥፍኤት።
2 ግናኸ የሆሸባ ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሓብቲ ኣሓዝያ፡ ንዮአስ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ እሞ፡ ንእኡን ንመጒዚቱን ኣብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ዓታልያ ሐብአቶ፡ ኣይተቐትለን ድማ።
3 ምስአ ተሐቢኡ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሹድሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ዓታልያ ነጊሳ ነበረት።
4 በታ ሳብዐይቲ ዓመት ከኣ ዮያዳ ነቶም ናይ ካራውያን ሓላቑ ሚእትታትን ንዘብዔኛታትን ልኢኹ ኣምጽኦም፡ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፡ ምሳታቶም ኪዳን ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሐሎም፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርአዮም።
5 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ እቶም ካባኻትኩም ብሰንበት ዚአትዉ፡ ሲሶ ሓለዋ ቤተ ንጉስ ይሐልዉ፡
6 እቶም ሲሶ ድማ ኣብ ደገ ሱር፡ እቶም ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ዘብዔኛታት ዘሎ ደገ ይኹኑ። ሐለዋ እታ ቤት ሐሊኹም ከኣ ከልክሉ።
7 እቶም ክልተ ኽፍሊ ኻባኻትኩም ድማ፡ እቶም ብሰንበት ዚወጹ ዅሎም፡ ሓለዋ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ንጉስ ይሐልዉ።
8 ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። እቲ ጥሒሱ ኣብ መስርዕ ዚአቱ ድማ ይሙት። እቲ ንጉስ ኪወጽእን ኪአቱን ከሎ ኸኣ፡ ምስኡ ኹኑ።
9 እቶም ሓላቑ ሚእቲ ኸኣ ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝአዘዞም ኲሉ ገበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰሰቦም፡ ነቶም ብሰንበት ዚአትዉ ምስቶም ብሰንበት ዚወጹ ገይሮም ወሰድዎም፡ ናብ ካህን ዮያዳ ድማ መጹ።
10 እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሀቦም።
11 እቶም ዘብዔኛታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መአዝን እታ ቤት ጀሚሮም ክሳዕ ጸጋማይ መአዝን እታ ቤት ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቈሙ።
12 ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ ዘውዲ ደፍአሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀቦ። ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ፡ ኣእዳዎም እናኣጥቕዑ ድማ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ።
13 ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ዘብዔኛታትን ህዝብን ምስ ሰምዔት፡ ናብቲ ህዝቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት።
14 እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ነበረ፡ እቶም ሓላቑን እቶም መለኸተኛታትን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሐጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ ዕልወት እዩ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨረሐት።
15 እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዚመርሑ ሓላቑ ሚእቲ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋ፡ ንዚስዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
16 ሽዑ ሐዝዋ፡ በታ ኣፍራስ ናብ ቤተ ንጉስ ዚአትዉላ መገዲ ድማ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ።
17 ዮያዳ ድማ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ኪዳን ኣቘመ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ከኣ ከምኡ ገበረ።
18 ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት በዓል አትዮም ኣፍረስዋ፡ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ኣዝዮም ሰባበርዎ፡ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሐረድዎ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሐለውቲ ገበረ።
19 ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ካራውያንን ንዘብዔኛታትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰደ፡ ነቲ ንጉስ ከኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረድዎ፡ ብመገዲ ደገ ዘብዔኛታት ኣቢሎም ድማ ናብ ቤተ ንጉስ መጹ። ኣብ ዝፋን ነገስታት ከኣ ተቐመጠ።
20 ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሐጐሱ፡ እታ ኸተማውን ሀድኤት። ንዓታልያ ግና ኣብ ቤተ ንጉስ ብሴፍ ቀተልዎ።
21 ዮኣስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ።

1 ንየሁ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ዮአስ ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓምት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር-ሺባዕ እያ።
2 ዮአስ ከኣ በቲ ኻህን ዮያዳ ኺምህሮ ኸሎ ዝነበሮ ዂሉ ዘመን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
3 ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
4 ዮአስ ድማ ነቶም ካህናት፡ ኲሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚአቱ እተቐደሰ ገንዘብ። ዚተሐላለፍ ገንዘብ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገምጋም ነፍሲ ዚህቦ ገንዘብን እቲ ልቡ ዝደፍኦ ሰብ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዘምጽኦ ዂሉ ገንዘብን።
5 እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ከካብ ዚፈልጥዎ ይውሰዱ እሞ ንሳቶም ነቲ ፍራሳት እታ ቤት፡ አብኣ እተረኽበ ዘበለ ዂሉ ፍራሳት ይጸግኑ፡ በሎም።
6 ግናኸ እቶም ካህናት ነቲ ፍራሳት እታ ቤት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ዮአስ ኣይጸገንዎን።
7 ሽዑ ንጉስ ዮአስ ንኻህን ዮያዳን ነቶም ካልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እዛ ቤት ዘይጸገንኩምዎ⋮ ሕጂ ኸኣ ንመጸገን ፍራሳት እታ ቤት ሀቡ እምበር፡ ደጊምሲ ኸካብቶም እትፈልጥዎም ገንዘብ ኣይትውሰዱ፡ በሎም።
8 እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፡ ንፍራሳት እታ ቤት ከኣ ከይጽግኑ ሰመሩ።
9 ካህን ዮያዳ ግና ሓደ ሳጹን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ነቶም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚአትዉ ሰብ ብየማኖም ኣቐመጦ። እቶም ደገ ዚሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝአተው ዂሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተዎዎ።
10 ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ፡ ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደየቡ፡ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ገንዘብ ቈጺሮም ኣብ ኣኽያሽ ኣሰርዎ።
11 እቲ እተመዝነ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ጸረብቲ ዕጨይትን ንሃነጽትን።
12 ንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን ንምዕዳግ ኣእዋምን ውቑር እምንን ንምጽጋን እቲ ፍራሳት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዝወጸ ዂሉ ድማ ይህብዎም ነበሩ፡
13-14 እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝአተወ ገንዘብ ከኣ ነቶም ነቶ ዕዮ ዝዐየዩ ሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ጸገኑሉ እምበር፡ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሂር ዜድሊ ጻሕሊ ብሩር፡ መሳቐዪታት፡ ጭሔሎታት፡ መለኸት፡ ገለ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይተገብረን።
15 ነቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ኺህቡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝሀብዎም ሰባት ብእምነት ስለ ዝገበርዎ፡ ኣይጸባጸብዎምን ነበሩ።
16 እቲ ገንዘብ መስዋኣቲ በደልን ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኻህናት ኰነ እምበር፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄርሲ ኣይአተወን።
17 ሽዑ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት ተዋጊኡ ሓዛ። ሓዛኤል ድማ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ገጹ ኣቕንዔ።
18 ዮአስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እቲ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ዝቐደስዎ ዂሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝቐደሶን ድማ፡ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ወሲዱ፡ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ተመልሰ።
19 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮአስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
20 ንዮኣስ ድማ ገላዉኡ ተንሲኦም ማሕላ ተማሓሓሉሉ፡ ኣብታ ኣብ መውረዲት ሲላ ዘላ ቤት ሚሎ ኸኣ ቀተልዎ።
21 እቶም ገላዉኡ ዮዛካር ወዲ ሺምዓትን ዮዛባድ ወዲ ሾሜርን ኰይኖም ወቕዕዎ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።

1 ንዮአስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
2 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ደድሕሪ እቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ሰዐበ፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
3 ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ ብዂሉ እቲ ዘመን እቲ ኣብ ኢድ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሀቦም።
4 ዮኣሓዝ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጥቕዓት እስራኤል፡ ንጉስ ሶርያ ኸመይ ከም ዘጥቅዖም ርእዩ ነበረ እሞ፡ ሰምዖ።
5 እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል መድሓኒ ሀቦም እሞ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ሶርያውያን ወጹ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ።
6 ግናኸ ካብቲ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ደአ ኸዱ። እታ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብ ሰማርያ ቘይማ ነበረት።
7 እቲ ንጉስ ሶርያ ኸም ብቚብቚ ዓውዲ ገይሩ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡ ንዮአሓዝ። ብጀካ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን፡ ገለ እኳ ኣየትረፈሉን።
8 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣሓዝ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን መንፍዓቱን ንሱ ኣብ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
9 ዮአሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮአስ ነገሰ።
10 ንዮአስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ዮአስ ወዲ ዮአሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
11 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ብእኡ ኸደ እምበር፡ ከቶ ኣየግለሰን።
12 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮአስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግአሉ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
13 ዮአስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። የሮብዓም ከኣ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ። ዮአስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ።
14 ኤልሳእ ከኣ እታ ዝሞተላ ሕማም ሐመመ። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ፡ ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ በኸየ።
15 ኤልሳእ ከኣ፡ ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ፡ በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታት ወሰደ።
16 ነቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ቐስቲ ስቐል፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሰቐለ። ኤልሳእ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ እቲ ንጉስ ገበረ።
17 ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምብራቕ መስኰት ክፈቶ፡ በሎ። ከፈቶ ድማ። ኤልሳእ ከኣ፡ ወርውር፡ በሎ። ንሱ ድማ ወርወረ። ኤልሳእ ከኣ፡ ናይ ምድሓን ፍላጻ እግዚኣብሄር፡ ፍላጻ ምድሓን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ኣብ ኣፌቅ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በለ።
18 ፍላጻታት ውሰድ፡ ድማ በሎ። ወሰዶ ኸኣ። ንንጉስ እስራኤል ድማ፡ ንምድሪ ውቕዓያ፡ በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ።
19 ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ፡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ፡ ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምሰዐርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በሎ።
20 ኤልሳእ ድማ ሞተ፡ ቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዚወድቁ ኻብ ሞአብ ናብታ ሃገር መጹ።
21 ኰነ ድማ፡ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኺቐብሩ ኸለው፡ እንሆ ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብአይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብአይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ሐወየ፡ በእጋሩ ድማ ደው በለ።
22 ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዂሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም።
23 እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ደንገጸሎም፡ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝአተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገጹ መለሰሎም፡ ኬጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወን፡ ክሳዕ ሕጂውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን።
24 ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ቤን-ሃዳድ ነገሰ።
25 ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ድማ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ካብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮአስ ሰለስተ ሳዕ ሰዐሮ፡ ነተን ከተማታት እስራኤል ከኣ ኣምለሰን።

 

1 ንዮአስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣማስያ ወዲ ዮአስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2 ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
3 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግናኸ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይኰነን፡ ከምቲ ኣቦኡ ዮአስ ዝገበሮ ዂሉ ደአ ገበረ።
4 ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5 ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ነቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።
6 ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደአ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ኣብ ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ኣብ ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝአዘዘ፡ ነቶም ደቂ ቐታሎስ ኣይቀተሎምን።
7 ንሱ ንኤዶማውያን ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ሰብአይ ቀተለ፡ ንሴላ ኸኣ ብውግእ ሓዛ፡ ስማ ድማ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፡ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።
8 ሽዑ ኣማስያ ናብ ዮአስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮአሓዝ ወዲ የሁ፡ ንዓ ገጽ ንገጽ ንርእኤ፡ ኢሉ ሊኡኻት ሰደደሉ።
9 ዮአስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለአኸሉ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖስ ጓልካ ሀበኒ፡ ኢሉ ለአኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፈ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጾ።
10 ንኤዶም ርግጽ ስዒርካ፡ ልብኻ ተዐብዩ ኣሎ፡ ክበር፡ ኣብ ቤትካ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ ኽትወድቁሉስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ፧
11 ኣማስያ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ዮአስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት-ሸመሽ ገጽ ንገጽ ተራኣአዩ።
12 ግናኸ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።
13 ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮአስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ድማ ዮአስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት-ሸመሽ ወሰዶ፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ መጸ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መአዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ።
14 ነቲ ኣብ ቤት እግዚአብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን ወሰደ፡ ደቂውን ዝሆ ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
15 እቲ ዝተረፈ ዮአስ ዝገበሮ ነገርን መንፎዓቱን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
16 ዮአስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ከኣ ኣብ ሰማርያ ተቐብረ። የሮብዓም ወዱ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
17 ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮአስ፡ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮአሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ።
18 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ አየሎን፧
19 ኣብ የሩሳሌም ድማ ማሕላ ተማሓሐሉ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ላኪሽ ሀደመ፡ ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰደዱ፡ ኣብኡውን ቀተልዎ፡
20 ኣብ ኣፍራስ ክኣ ሰቐልዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ተቐብረ።
21 ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኣዛርያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዶም ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።
22 ንሱ ንኤላት ሰርሓ፡ ድሕሪ ምድቃስ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ድማ ናብ ይሁዳ ኣምለሳ።
23 ንአማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮአስ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ የሮብዓም ወዲ ዮአስ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝኤ።
24 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
25 ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በቲ ኻብ ጋት-ሔፈር ዝነበረ ባርያኡ ነብዪ ዮናስ ወዲ ኣማቲ እተዛረቦ ቓል ነቲ ዶብ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዜእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጐልጐል ኣምለሶ።
26 እዚ እግዚኣብሄር እቲ ጸበባ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፡ እሱር ኰነ ዘይእሱር ድማ ከም እተወድኤ፡ ንእስራኤል ከኣ ረዳኢ ኸም ዜብሉ ስለ ዝረአየ እዩ።
27 እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ ኢሉ አይተዛረበን፡ ስለዚ ብኢድ የሮብዓም ወዲ ዮአስ ኣድሐኖም።
28 እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን መንፍዓቱን፡ ድማ ከመይ ከም እተዋግኤ፡ ነተን ናይ ይሁዳ ዀይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከኣ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
29 የሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።

1 ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኣዛርያ፡ ወዲ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
2 ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
3 ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
4 ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን ነበሩ፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ለምጻም ኰነ፡ ኣብ ፍልይቲ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ዮታም ወዲ ንጉስ ድማ ዋና እታ ቤት ኰይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር ይፈርድ ነበረ።
6 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
7 ኣዛርያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ዮታም ወዱ ነገሰ።
8 ንአዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ዘካርያስ ወዲ የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ሹድሽተ ወርሒ ኸኣ ገዝኤ።
9 ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኣኤል ዘሕጥአሉ፡ ኣየግለሰን።
10 ሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ተማሓሐለሉ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ።
11 እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
12 እቲ እግዚኣብሄርስ ንየሁ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ከምኡ ኸኣ ዀነ።
13 ንኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ሻሉም ወዲ ያቤሽ ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ሓንቲ ወርሒ ገዝኤ።
14 ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸኣ ካብ ቲርጻ ደዪቡ ናብ ሰማርያ መጸ፡ ንሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ አብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡውን ነገሰ።
15 እቲ ዝተረፈ ናይ ሻሉም ነገርን እቲ እተማሓሐሎ ማሕላን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
16 ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብአ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዐራ፡ ኣብአ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን።
17 ንአዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ዓሰርተ ዓመት ገዝኤ።
18 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሓትአሉ ሓጢኣት፡ ኣየግለሰን።
19 ፋል ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ሃገር መጸ። ምናሔም ከኣ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምእንቲ ኽትጸንዕ ኪድግፎ ኢሉ፡ ንፋል ሽሕ ታለንት ብሩር ሀቦ።
20 ምናሔም ድማ ንንጉስ ኣሶር ምእንቲ ኺህብ፡ ካብ እስራኤል ካብቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዘበሉ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ኣውጽኤ። እቲ ንጉስ ኣሶር ከኣ ተመልሰ፡ ኣብአ ኣብታ ሃገርውን ኣይቈመን።
21 እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ የለን።
22 ምናሔም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ጴቃሕያ ነገሰ።
23 ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ ጴቃሕያ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ከአ ገዝኤ።
24 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን።
25 ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ሓላቑኡ፡ ድማ ተማሓሐለሉ እሞ ንእኡ ምስ ኣርጎብርን ኣርየን ገይሩ ኣብ ሰማርያ ኣብ ኣደራሽ ቤተ ንጉስ ቀተሎ። ምስኡ ድማ ካብ ደቂ ጊልዓዳውን ሓምሳ ሰብ ነበሩ፡ ንእኡ ቐቲሉ ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
26 እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
27 ንአዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዕስራ ዓመት ድማ ገዝኤ።
28 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ኣየግለሰን።
29 ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላት-ጲሌሰር ንጉስ ኣሶር መጸ፡ ንዒዮንን ንአቤል-ቤት-ማዓካን ንያኖኣን ንቃዴስን ንሓጾርን ንጊልዓድን ንገሊላን፡ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌም ሐዛ፡ ናብ ኣሶር ከኣ ማረኾም።
30 ሆሴእ ወዲ ኤላ ድማ ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ተማሓሐለሉ፡ ወቒዑ ኸኣ ቀተሎ፡ ንዮታም ወዲ ኡዝያ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
31 እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
32 ንጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ረማልያ፡ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ዮታም፡ ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
33 ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።
34 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ከምቲ ኣቦኡ ኡዝያ ዝገበሮ ዂሉ ገበረ።
35 ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ።
36 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
37 በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር ንረጺን ንጉስ ሶርያን ንጴቃሕ ወዲ ረማልያን ንምጽራር ይሁዳ ኺሰዶም ጀመረ።
38 ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ከኣ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ።

1 ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመቱ ኣሃዝ፡ ወዲ ዮታም ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
2 ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ኣይነበረን፡
3 ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደአ ኸደ፡ ኤረ ንሱስ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ገይሩ እኳ ደአ ወዱ ብሓዊ ኣሕለፈ።
4 ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5 ሽዑ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ፡ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ። ንኣሃዝ ድማ ከበብዎ፡ ኪስርዕዎ ግና ኣይከአሉን።
6 በታ ጊዜ እቲኣ ረጺን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፡ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፡ ሶርያውያን ከኣ ናብ ኤላት መጺኦም፡ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።
7 ኣሃዝ ከኣ ናብ ቲግላት-ጲሌሰር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኣነ ጊልያካን ወድኻን እየ፡ ካብ ኢድ እቶም ተንሲኦምኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ከተድሕነኒ ደይብ፡ በሎ።
8 ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ገጸ በረኸት ሰደደሉ።
9 ንጉስ ኣሶር ከኣ ሰምዖ እሞ እቲ ንጉስ ኣሶር ንደማስቆ ደዪቡ ሓዛ፡ ኣብኣ ንዝነበሩ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፡ ንረጺንውን ቀተሎ።
10 ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንቲግላት-ጴሌሰር ንጉስ ኣሶር ኪቃባበሎ ናብ ደምስቆ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ መሰውኢ ኸኣ ረአዮ። ንጉስ ኣሃዝ ድማ ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዂሉ ስራሑን ገይሩ ንካህን ኡርያ ሰደደሉ።
11 ካህን ኡርያ ኸኣ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ዂሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካህን ኡርያ ከምኡ ገበረ።
12 እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ ነቲ መሰውኢ ረአዮ፡ እቲ ንጉስ ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ከኣ ናብኡ ደየበ።
13 ነቲ ዚሐርር መስዋእቱን ነቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ድማ ኣሕረረ፡ ናይ መስተ መስዋእቱውን ኣፍሰሰ፡ ደም እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነጸገ።
14 ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ወሲዱ ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ ኣቐመጦ።
15 ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንኻህን ኡርያ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ብጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዕን፡ ናይ ንጉስ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣብቲ ዓብዪ መሰውኢ ኣሕርሮ፡ ንዂሉ ደም እቲ ዚሐርር መስዋእትን ንዂሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ንጸጎ፡ ናይቲ መሰውኢ ኣስራዚ ግና እንታይ ከም ዝገበሮ ሓሳቡ ኣባይ ይኹን፡ ኢሉ ኣዘዞ፡
16 ካህን ኡርያ ድማ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ዝአዘዞ ዂሉ ገበረ።
17 ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንወሰናት እቲ መቐመጢታት ሰባቢሩ፡ ነቲ ገበራ ካብ ልዕሊኡ ኣግለሶ፡ ነቲ ባሕሪውን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣብዑር ኣስራዚ ኣውሪዱ፡ እምኒ ኣብ እተነጽፎ ምድሪቤት ኣንበሮ።
18 ነታ ኣብታ ቤት ሰሪሖምዋ ዝነበሩ እተኸድነት መገዲ ሰንበት ነቲ ብወጻኢ ዝነበረ መእተው ንጉስን ከኣ ብምኽንያት ንጉስ ኣሶር ናብ ቤት እግዚኣብሄር መለሶ።
19 እቲ ዝተረፈ ኣሃዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
20 ኣሃዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ስም ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።

 

1 ንኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ሆሴእ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ ትሽዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
2 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ግናኸ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤልስ ኣይኰነን።
3 ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ንምጽራሩ ደየበ፡ ሆሴእ ከኣ ግዙኡ ዀይኑ ግብሪ ገበረሉ።
4 እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ኣብ ሆሴእ ዕልወት ረኸበ፡ ንሱ ናብ ሶእ ንጉስ ግብጺ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ከምቲ ዓመት ንዓመት ዚገብሮ ዝነበረ፡ ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ኣይሰደደሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣሲሩ ኣብ ቤት እሱራት ዐጸዎ።
5 ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ናብ ብዘላ እታ ሃገር ደየበ፡ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸኣ ሰለስተ ዓመተ ከበባ።
6 ንሆሴእ ኣብ ታስዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሐዛ፡ ንእስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ጥቓ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።
7 ደቂ እስራኤል ከኣ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዝፈርሁ እዩ ኸምኡ ዝዀነ።
8 ንሳቶም ብሕጋጋት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ህዝብታትን በቲ ነገስታት እስራኤል ዚገብርዎ ዝነበሩን ከዱ።
9 እወ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኲለን ከተማታቶም ድማ በረኽቲ ሰርሑ።
10 ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ዂርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ከኣ ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ኣቘመ።
11 ኣብኡ ድማ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ዝሰጐጎም ህዝብታት ኣብ ኲሉ በረኽቲ ይዐጥኑ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ድማ ክፉእ ነገር ገበሩ።
12 ነቶም እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገር እዚ ኣይትግበርዎ ዝበሎም፡ ነቶም ጣኦታት ኣገልገልዎም።
13 እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዂሎም ነብያትን ብዂሎም ረኣይትን ገይሩ፡ ካብ ክፉእ መገድኹም ተመለሱ፡ ከምቲ ነቦታትኩም ዝአዘዝክዎም፡ ብባሮተይ ነብያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኲሉ ሕጊ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ሐልዉ፡ ኢሉ መስኪሩሎም ነበረ።
14 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ከም ክሳድ እቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይአመኑ ኣቦታቶም ደአ ኽሳዶም ኣትረሩ።
15 ንሕጋጋቱን እቲ ምስ ኣቦታቶም ዝአተዎ ኺዳንን ነቲ ዝመስከረሎም ምስክራትን ነዐቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ስዒቦም ከኣ ከንቱ ዀኑ፡ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከማታቶም ከይገብሩ ዝአዞዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ሰዐቡ።
16 ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሐዲጎም ከኣ ዝፈሰሰ ምስልታት፡ ክልተ ምራኹት ገበሩ፡ ኣስታርተውን ገበሩ፡ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፡ ንበዓልውን ኣገልገልዎ።
17 ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፡ ዛዕጐል የውድቑን የማርቱን ድማ ነበሩ። ምእንቲ ኬዀርይዎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ።
18 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ብእስራኤል ኣዝዩ ዀረየ፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሐቖም። ብጀካ ነገድ ይሁዳ በይና ኻልእ ኣይተረፈን።
19 ይሁዳ ኸኣ በቲ እስራኤል ዝገበርዎ ሕጋጋት ከደ እምበር፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሐለውዎን።
20 እግዚኣብሄር ድማ ንብዘሎ ዘርኢ እስራኤል ንዒቑ ኣዋረዶም፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ከኣ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሀቦም።
21 ንሱ ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ፈልይዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፡ የሮብዓም ከኣ ንእስራኤል ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣርሐቖም፡ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣሕጥኦም።
22-23 እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዂሎም ባሮቱ ነብያት ተዛሪብዎ ዝነበረ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም፡ እስራኤል ካብ ምድሩ ኽሳዕ ሎሚ ናብ ኣሶር ተማሪኹ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ከኣ ብዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም፡ በቲ ንሱ ዝገበሮ ኸዱ፡ ካብኡ ኣየግለሱን።
24 እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎንን ካብ ኩታህን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ሰፋርዋዪምን ሰባት ኣምጺኡ ኣብ ክንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸኣ ወረስዋ፡ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ።
25 ኰነ ድማ፡ እቲ መጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣናብስ ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ገለ ኻባታቶም ቀተሉ።
26 እቲ ንጉስ ኣሶር፡ እቶም ኣጒዒዝካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገርስ ኣይፈልጡን እዮም፡ ስለዚ ኣናብስ ሰደደሎም፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ምፍላጥ ስለ ዝሰአኑ ኸኣ፡ እነዉ፡ ይቐትልዎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።
27 ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር፡ ካብቶም ካብኡ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ስደዱ፡ ከይዶም ድማ ኣብኡ ይቀመጡ እሞ፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምህሮም፡ ኢሉ ኣዘዘ፡
28 ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መጺኡ ኸኣ ኣብ ቤት-ኤል ተቐመጠ፡ ንሱ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝፈርህዎ መሀሮም።
29 ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዚቕመጥወን ከተማታት ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣማልኽቱ ገይሩ ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ኣንበሮም።።
30 እቶም ሰብ ባቢሎን ከኣ ሱኮት-ቤኖት ገበሩ፡ እቶም ሰብ ኩት ድማ ኔርጋል ገበሩ፡ ሰብ ሓማት ከኣ ኣሲማ ገበሩ፡
31 እቶም ዓዋውያን ድማ ኒብሓዝን ተርታቅን ገበሩ፡ እቶም ሰፋርዋውያን ከኣ ንኣድራመለክን ንዓናመለክን፡ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪም፡ ደቆም ብሓዊ የንድዱ ነበሩ።
32 ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርህዎ ነበሩ፡ ካብ ማእከሎም ከኣ ዝዀነ ሰብ ካህናት በረኽቲ ገበሩ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ኣባይቲ በረኽቲ ይስውኡሎም ነበሩ።
33 ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ግናኸ፡ ከም ስርዓት እቶም ካብኡ ዝሰደድዎም ህዝብታት፡ ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ።
34 ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ስርዓት ቀደም ይገብሩ ኣለዉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ከም ሕጋጋቶምን ከም ፍርድታቶምን ወይ ከምቲ እግዚኣብሄርስ ንደቂ ያእቆብ፡ ንእኡ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ፡ ዝአዘዞም ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኣይገበሩን።
35 እግዚኣብሄር ድማ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ፡ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፍርህዎምን ኣይትስገዱሎምን ኣይተገልግልዎምን ኣይትሰውኡሎምን።
36 ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበኩም እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ደአ ፍርህዎ፡ ንእኡ ድማ ስገዱሉ፡ ንእኡ ኸኣ ሰውኡሉ።
37 ነቲ ዝጸሐፈልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም።
38 ነቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም።
39 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደአ ፍርህዎ፡ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ኲላቶም ጸላእትኹም ኬድሕነኩም እዩ።
40 ንሳቶም ግና ከምቲ ስርዓት ቀደሞም ደአ ገበሩ እምበር፡ ኣይሰምዑን።
41 ከምኡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ንጣኦታቶም ከኣ የገልግልዎም ነበሩ። እቶም ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ንሳቶም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ።

 

1 ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ኸኣ ኰነ፡ ህዝቅያስ ወዲ ኣሃዝ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
2 ንሱ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ኣቢ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።
3 ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
4 ንሱ ነቲ በረኽቲ ኣግለሶ፡ ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርተ ኸኣ ቈረጾ፡ ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ኣስራዚ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቲ ይዐጥኑሉ ነበሩ እሞ፡ ድርቅምቅም ኣበሉ፡ ንእኡ ኸኣ ነሑሽታን ሰመዮ።
5 ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተአመነ፡ ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኲሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን።
6 ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛቱውን ሐለወ።
7 እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣብ ዝወጾ ዘበለ ቐንዓሉ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዐለወ እሞ ኣይተገዝአሉን።
8 ንሱ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ፡ ክሳዕ ጋዛን ዶባታን ሰዐሮም።
9 ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፡ ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ።
10 ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ንሳ ንሆሴእ ንጉስ እስራኤል ብታስዐይቲ ዓመቱ ሰማርያ ተታሕዘት።
11 እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፡ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።
12 እዚ ኸኣ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ንኺዳኑ ብምፍራሶም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም ዂሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።
13 ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኲለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሐዘን።
14 ሽዑ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ በዲለ እየ እሞ፡ ካባይ ተመለስ፡ እቲ እትጽዕነኒ እጸውር፡ በለ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሰላሳ ታለንት ወርቅን ጸዐኖ።
15 ህዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ሀቦ።
16 በታ ጊዜ እቲኣ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓጹ መቕደስ እግዝኣብሄርን ልዳዊትን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ህዝቅያስ ባዕሊ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ።
17 እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ንታርታንን ንራብሳርስን ንራብሳቀን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ናብ የሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ የሩሳሌም መጹ፡ ደዪቦም ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መገዲ ግራት ሓጾቦ ዘሎ መስኖ ላዕላይ ቀላይ ቈሙ።
18 ንንጉስ ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮዓህ ወዲ ኣሳፍ ጸሓፍ ዛንታን ናባታቶም ወጹ።
19 ራብሳቀ ድማ በሎም፡ ንህዝቅያስ ግዳ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ተአሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ፧
20 ንስኻ፡ ንውግእ ምኽርን ሓይልን ኣሎኒ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ግናኸ ዘረባ ኸናፍር ጥራይ እዩ። እቲ ዝዐሎኻንስ፡ ሕጂ ብመን ኣሚንካ ኢኻ፧
21 እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዝአቱ፡ ብእኡ ተአሚንካ ኢኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንዚእመንዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።
22 ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተአሚንና ኣሎና፡ እንተ በልኩምኒ ድማ፡ ንሱ እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉን፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ፡ ዝበለ ንሱዶ ኣይኰነን፧
23 ሕጂ ድማ ንጐይታይን ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዚውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስ፡ ክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።
24 ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላዉ ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፧ ስለ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኢልካ ድማስ ብግብጺ ትእመን ኣሎኻ።
25 ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ፧ እግዚኣብሄር ደአ፡ ነዛ ሃገር ደዪብካ ኣጥፍኣያ፡ ኢሉኒ እዩ።
26 ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያን ሸብናን ዮኣህን ንራብሳቀ፡ ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፡ ንገላውኻ ብኣራማይስጢ ዀታ ተዛረበና፡ ግናኸ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዔ ብዘረባ ኣይሁድ ኣይትዛረበና፡ በልዎ።
27 ራብሳቀ ግና፡ ጐይታይ እዚ ነገር እዚ ንጐይታኻን ንኣኻን ክነግረኩምዶ እዩ ዝለአኸኒ፧ ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ከይኖም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኰነን፧ በሎም።
28 ሽዑ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብዘረባ ኣይሁድ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበ፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ናይቲ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።
29 እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ህይዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዐሹኹም።
30 ህዝቅያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም።
31 ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ወይኒ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ ማይ ዔላኡ ይስተ።
32 ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬድሕነና እዩ፡ እናበለ ኺጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ።
33 ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሐነዶ ኣሎ፧
34 ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን ናይ ሄናዕን ናይ ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ፧ ንሰማርያዶ ካብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም፧
35 እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ኬድሕናስ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሐኑ ኣየኖት እዮም፧
36 እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ገለ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
37 ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ ጸሓፍ ዛንታን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ ራብሳቀ ነገርዎ።

 

1 ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር አተወ።
2 ንኤልያቂም ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ካብ ካህናትውን ዓበይቲ ገይሩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ሰደዶም።
3 ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ቅጽዓትን ነውርን እያ፡ ሕጻናት ናብ ምውላድ በጺሖም ነይሮም፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳእነ።
4 ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዂሉ ዘረባ ራብሳቀ፡ እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ኪጸርፎ ኢሉ ዝለአኾ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዖ ዘረባ ኪቐጽዖ እዩ። እምበአርሲ ምእንቲ እዚ ገና ተሪፉ ዘሎ ትርፎፍያ ጸሎት ኣዕርግ።
5 እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ።
6 ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ኪጸርፉኒ ዝሰማዕካዮም ቃላት ኣይትፍራህ።
7 እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ክህቦ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩ ድማ ብሴፍ ከውድቖ እየ።
8 ራብሳቀ ኸኣ ተመልሰ፡ ንሱ እቲ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ።
9 ንሱ ግና ብዛዕባ ቲርሃቃህ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ኪወግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ኪብሉ ምስ ሰምዔ፡ መሊሱ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡
10 ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፡ እዚ ንስኻ እትእመኖ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌምስ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ኣየዐሹኻ።
11 እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን፡ እንሆ፡ ሰሚዕካዮ ኣሎኻ፡ ንስኻኸ ትድሕንዶ፧
12 እቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ነቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም፡ ንጐዛንን ንሓራንን ንሬጸፍን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔደንን ኣድሐንዎምዶ፧
13 ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋዪምን ናይ ሄናን ናይ ዒዋን ድማ ኣበይ ኣለዉ፧
14 ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደዪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ።
15 ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ገበርካዮ።
16 ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ቓሕ ኣቢልካ ድማ ርኤ። ነቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለአኾ ዘረባ ሰናክሪብ ከኣ ስምዓዮ።
17 ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ነቶም ህዝብታትን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ።
18 ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕጨ እምኒ ብኢድ ሰብ ኣተገብሩ እዮም እምበር፡ ኣማልኽትስ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም።
19 ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።
20 ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለአኸ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡ ሰሚዔዮ ኣሎኹ።
21 እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ነዐቐትካን ኣባጨወትካን፡ እታ ጓል የሩሳሌም ድሕሬኻ ዀይና ርእሳ ነቕነቐትልካ።
22 ዝጸረፍካዮን ዘላገጽካሉን ንመን ኢኻ፧ ድምጽኻ ዓው ዘበልካ፡ ኣዒንትኻውን ቋሕ ዘበልካሉ፡ ናብ መን ኢኻ፧ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።
23 ብልኡኻትካ ጌርካ ንጐይታ ኸምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ናብ ማእከል ሊባኖስ ደየብኩ፡ ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሱን ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱን ከኣ ቘረጽኩ፡ ናብቲ ዝረሐቐ መሕደሪኡ፡ ናብቲ ፈራዪ ዱር ድማ ኣቶኹ፡
24 አነ ዂዒተ ጋሻ ማያት ሰቴኹ፡ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ አንቀጽክዎ።
25 ነዚ ኻብ ጥንቲ ኸም ዝገበርክዎ፡ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ከም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕካን ኢኻ፧ ሕጂ ንዕሩዳት ከተማታት ኲምራ ዑናታት ጌርካ ኸተባድመን ኣምጻእኩኻ።
26 ስለዚ እቶም ዚነብርወን ሓይሊ ሰአኑ፡ ተሸበሩን ሐፈሩን። ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልምሉም ሓምልን ከም ድርቃ ናሕስን ከይሰወተ ኸም ዝሀጐጐ እኽልን ኰኑ።
27 ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን፡ ንኣይ ምዂራይካውን እፈልጥ ኣሎኹ።
28 ስለ ዝዀሬኻለይ፡ ትዕቢትካውን ናብ ኣእዛነይ ስለ ዝደየበ፡ ሰንቀይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብረልካ እየ፡ በታ ዝመጻእካለይ መገዲ ድማ ክመልሰካ እየ።
29 ንኣኻ ግና እዚ ምልክት ይኹንካ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡ ብኻልኣይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዐጽዱን፡ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሬኡ ኽትበልዑ ኢኹም።
30 እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ድሒኖም ዝተረፉ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ኪሰዱ ኣብ ላዕሊ ኸኣ ኪፈርዩ እዮም።
31 ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሐነ ኺወጽእ እየ እሞ፡ ነዚ ከኣ ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪገብሮ እዩ።
32 ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሱ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣተዋን እዩ፡ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይውርውርን፡ ዋልታውን ኣይምክተላን፡ ድልድል ከኣ ኣይዂምረላን።
33 በታ ዝመጸላ መገዲ ይምለስ እምበር፡ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
34 ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።
35 ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዂላቶም ምውታት ሬሳታት ኰይኖም ጸንሑ።
36 ሽዑ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ተንሲኡ ኸደ፡ ተመሊሱ ድማ ኣብ ነነዌ ተቐመጠ።
37 ኰነ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጸርን ብሴፍ ቀተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሀደሙ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን ነገሰ።

 

1 በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ንሞት ሐመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ትመውት እምበር፡ ኣይትሐውን ኢኻ እሞ፡ ቤትካ ኣስተናብር።
2-3 ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ።
4 ኰነ ኸኣ፡ ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እታ ኸተማ ኸይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡
5 ተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይ፡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ንብዓትካ ርአየ፡ እኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ።
6 ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ።
7 ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቚስሊ ገበረሉ እሞ፡ ሐወየ።
8 ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር ከም ዘሕወየንን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብከ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧ በሎ።
9 ኢሳይያስ ድማ፡ እግዚኣብሄርስ ነቲ እተዛረቦ ዘረባ ኸም ዚፍጽሞ፡ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፧ እዚ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይስ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ፧ በለ።
10 ህዝቅያስ ከኣ፡ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚት ምኻድሲ ቐሊል እዩ፡ ኣይፋል፡ እቲ ጽላሎት ንድሕሪት ደአ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ፡ በለ።
11 ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ነቲ ጽላሎት ከኣ ኣብ ዓሰርተ ስጒሚ ንድሕሪት መለሶ።
12 በቲ ጊዜ እቲ በሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን፡ ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ከም ዝሐመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንህዝቅያስ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ።
13 ህዝቅያስ ከኣ ሰምዖም፡ ብዘላ ቤት ናይቲ ኽቡር ኣቓሑኡ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ጽቡቕ ዘይትን ኲሉ ቤት ኣቓሑኡን ኣብ መዛግብቱ እተረኽበ ዂሉን ድማ ኣርአዮም። ኣብ ቤቱ ዀነ ኣብ ብዘላ ግዝኣቱ ህዝቅያስ ዘየርአዮም ነገር ኣይነበረን።
14 ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧ በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ዝመጹ እዮም፡ በለ።
15 ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩ፧ በለ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮምዎ፡ ኣብ መዛግብተይ ዘየርኤኽዎም ነገር የልቦን፡ በለ።
16 ኢሳይያስ ድማ ንህዝቅያስ በሎ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡
17 እዚ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉን፡ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደሉ፡ እንሆ፡ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተርፍን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ካብ ደቅኻ ድማ፡ ካብቶም ካባኻ ዝወጹ ካብቶም ዝወለድካዮም ኪወስዱ እዮም፡ ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ስሉባት ኪዀኑ እዮም።
19 ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እዚ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ወሲኹ ኸኣ፡ ከምኡ ደይኰነን፧ ብዘመነይሲ ሰላምን ህድኣትን ደአ እንተ ዚህሉ፡ በለ።
20 እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ኲሉ ጅግንነቱን፡ ሓጽብን መስኖን ከም ዝገበረን፡ ናብ ከተማ ኸኣ ማይ ከም ዘእተወ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
21 ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸአ ወዱ ምናሴ ነገሰ።

 

1 ምናሴ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሔፍጺባ እዩ።
2 ንሱ ኸኣ፡ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎ ህዝብታት ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ።
3 ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኸት መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።
4 ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ከንብር እየ፡ ዝበለ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ።
5 ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም።
6 ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።
7 ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብታ ቤት ኣንበሮ። ብዛዕባ እታ ቤት ግና እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንዘለአለም ከንብር እየ፡
8 ሓንትስ ከምቲ ዂሉ ዝአዘዝክዎምን ከምቲ ባርያይ ሙሴ ዝአዘዞም ኲሉ ሕግን ከኣ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቑሉ፡ ሽዑ ንእግሪ እስራኤል ከኣ ካብታ ነቦታቶም ዝሀብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዝን እየ።
9 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ምናሴ ድማ ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍኤ ኺገብሩ ኣስሐቶም።
10 ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
11 ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ጽያፋት እዚ ስለ ዝገበረን፡ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዚኸፍእ ስለ ዝገበረን፡ ንይሁዳ ድማ ብጣኦታቱ ስለ ዘሕጥኦም፡
12 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ክሳዕ ዚብሎ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምጽእ እየ።
13 እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣከኣብን ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ክዝርግሖ እየ፡ ጻሕሊ ኸም ዚሕጸብ፡ ሐጺብካ ብኣፉ ኸም ኣትደፍኦ፡ ንየሩሳሌም ድማ ክሐጽባ እየ።
14 ነቲ ተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖ እየ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኲሎም ጸላእቶም ንምርኮን ንምብዝባዝን ኪዀኑ እዮም።
15 እዚ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፡ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዝዀረዩንን እዩ።
16 ምናሴ ድማ ብጀካ እቲ ሓጢኣቱ ብእኡ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ዘሕጥኤ፡ ወሲኹ ኸኣ ክሳዕ ንየሩሳሌም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዚመልኣ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።
17 እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
18 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ ኣብ ኣታኽልቲ ቤቱ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን ነገሰ።
19 ኣሞን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ መሹለመት እዩ፡ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጣባ እያ።
20 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
21 በቲ ዂሉ ኣቦኡ ዝኸዶ መገዲ ድማ ኸደ፡ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣኦታት ከኣ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን።
22 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሐደጎ፡ በመገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን።
23 ገላዉ ኣሞን ድማ ተማሓሐሉሉ እሞ ነቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ።
24 ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሓሉሉ ዂሎም ቀተሎም። እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።
25 እቲ ዝተረፈ ኣሞን ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
26 ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ ነገሰ።

 

1 ዮስያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ የዲዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ዓዳይ ብዓል ቦጽቃት እያ።
2 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን።
3 ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ እቲ ንጉስ ንሻፋን ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹለም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ለአኾ፡
4 ናብቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ሒልቂያ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ሓለውቲ ደገ ኻብቲ ህዝቢ ዝአከብዎ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ዝአተወ ገንዘብ ኪእክቦ አዝዞ።
5 ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢዶም ይሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ ነቓዕ እታ ቤት ኪጽግኑ ዚዐዩ ዓየይቲ፡
6 ንጸረብትን ንሀነጽትን ንነደቕትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዚኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ዚዕደገሉ ገንዘብ ይሀብዎም።
7 ግናኸ ብእምነት እዮም ዚገብርዎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ኢዶም እተዋህበ ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።
8 ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ፡ በሎ። ሒልቂያ ድማ እቲ መጽሓፍ ንሻፋን ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንበቦ።
9 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እቶም ገላዉኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኢዶም ሀብዎም፡ ኢሉ ነቲ ንጉስ እቲ ነገር መለሰሉ።
10 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ መጽሓፍ ሂቡኒ፡ ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።
11 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።
12 እቲ ንጉስ ከኣ ንኻህን ሒልቂያን ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን ንዓክቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልያ ንጉስን፡
13 ኣቦታትና ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ኸምቲ ዂሉ ንኣና እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ እቲ ኣባና ተቓጺሉ ዘሎ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኢሉ ብናይ እዚ እተረኽበ መጽሓፍ እዚ ነገር ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዂሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
14 ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ።
15 ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለአኸኩም ሰብኣይ በልዎ፡
16 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኲሉ ቓላት እቲ መጽሓፍ፡ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለዉን እቲ ኽፉእ ከምጽኦ እየ።
17 ብዂሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሐዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዐጠኑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ኪቃጸል እዩ፡ ኣይጠፍእን ከኣ።
18 ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዘለአኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
19 ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ንመደነቕን ንመራገምን ኪዀኑ እዮም ኢለ እተዛረብክዎም ምስ ሰማዕካ ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ክዳንካ ቐዲድካ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
20 ስለዚ እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ኣዒንትኻ ኣይርእያኦን እየን። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ።

 

1 ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ናብኡ ኣከብዎም።
2 እቲ ንጉስን ምስኡ ኸኣ ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኲሎም ኣብ የሩሳሌምን ዚነብሩን ካህናትን ነብያትን ብዘሎ ህዝቢ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዅሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኣስምዖም።
3 እቲ ንጉስ ድማ ኣብቲ ዓንዲ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸዱን ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕልዉን፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኸኣ ኬቚሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ኣብቲ ኺዳን ቈመ።
4 እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ኻህናት ሒልቂያን ነቶም ብትሕቲኡ ዘለዉ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ደገን ነቲ ንበዓልን ንኣስታርተን ንብዘለው ሰራዊት ሰማይን ኪኸውን እተሰርሔ ዂሉ ኣቓሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ኬውጽእዎ አዘዞም፡ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ኣብ ግርሁ ቄድሮን ከኣ ኣንደዶ፡ ነቲ ሓሙዂስቱውን ናብ ቤት-ኤል ወሰዶ።
5 ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ የሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኺዐጥኑ ዘሕደርዎም ካህናት ጣኦታትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለው ሰራዊት ሰማይን ዚዐጥኑ ዝነበሩን ድማ ሰዐሮም።
6 ንኣስታርተ ኸኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወጻኢ የሩሳሌም ናብ ርባ ቄድሮን ኣውጺኡ ኣብራባ ቄድሮን አንደዳ፡ ኣድኪሙ ኸኣ ደበቒቦቛ ገበራ፡ ነቲ ደበቚቦቛ ድማ ኣብቲ መቓብር ደቂ እቲ ህዝቢ ጐሐፎ።
7 ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ኣመናዝር፡ ኣንስቲ ኣብኤን ኰይነን ንኣስታርተ ዚኸውን መጋረጃ ዚአልማ ዝነበራ ኸኣ ኣፍረሰ።
8 ንዂሎም ካህናት ድማ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውጽኦም፡ ነቲ እቶም ካህናት ዚዐጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸኣ ካብ ጌባዕ ጀሚሩ ኽሳዕ ብኤር-ሸባዕ ኣርከሶ፡ ነቲ ኣብ ደጌታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ እያሱ መስፍን እታ ኸተማ ዝነበረ፡ ነቲ ብጸጋም ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ በረኽቲ ኣፍረሶ።
9 እቶም ናይ በረኽቲ ኻህናት ግና፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ኰይኖም ደኣ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፡ ናብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣብ የሩሳሌም ኣይድይቡን ነበሩ።
10 ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሌኽ ኢሉ ብሓዊ ኸየሕልፍሲ፡ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ህኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።
11 እቶም ነገስታት ይሁዳ ንጸሓይ ዝወፈይዎም፡ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቀጽሪ መቕደስ ኣብታ ነታን-ሜላክ፡ እቲ ስሉብ ዚነብረላ ዝነበሩ ኣፍራስ ኣግለሶም። ነቲ ሰረገላታት ጸሓይውን ብሓዊ ኣንደዶ።
12 ነቲ ኣብ ናሕሲ ኣደራሽ ኣሃዝ ዝነበረ፡ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝገበርዎ፡ መሰውኢታትን፡ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ከኣ እቲ ንጉስ ኣፍረሶ። ካብኡ ቐልጢፉ ኸይዱ ድማ ነቲ ደበቚቦቛኡ ኣብ ርባ ቄድሮን ጐሐፎ።
13 ነቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ የማን ከረን ጥፍኣት ዝነበረ በረኽቲ ኸኣ፡ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣስታርተ ጽያፍ ሲዶናውያንን ንከሞሽ ጽያፍ ሞኣብን ንሚልኮም ጽያፍ ደቂ ዓሞንን ዝሰርሓሎም፡ እቲ ንጉስ ኣርከሶ።
14 ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታትውን ቈረጾ፡ ነቲ ቦታታቶም ከኣ ኣዕጽምቲ ሰብ መልአ።
15 ድማ ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ መሰውእን ነቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንእስራኤል ዘሕጥኤ፡ ዝሰርሖ በሪኽን ኣፍረሶ፡ ነቲ በሪኽ ከኣ አንደዶ፡ ኣድኪሙ ድማ ደበቚቦቛ ገበሮ፡ ንኣስታርተውን ኣንደዶ።
16 ዮስያስ ግልጽ ምስ በለ ኸኣ፡ ነቲ ኣብኡ ኣብ ከረን ዝነበረ መቓብራት ረአየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፡ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ ነገር እዚ ኺነግር ከሎ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣንደዶ፡ ኣርከሶ ኸኣ።
17 ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩ፧ በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤት-ኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎ።
18 ንሱ ኸኣ፡ ሕደግዎ፡ ገለ እኳ ነዕጽምቱ ኣየነቓንቆ። ስለዚ እቲ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ተረፈ።
19 ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፡ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኲለን ኣባይቲ በረኽቲ ድማ ዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ከምቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብርታት ገበረን።
20 ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሐረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ።
21 እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለዉ ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ ኢሉ ኣዘዞም።
22 ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን።
23 እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደአ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረ።
24 ዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣደዶ።
25 ከምቲ ዂሉ ነፍሱን ብዂሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቕድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስኤን።
26 ግናኸ ብምኽንያት እቲ ምናሴ ብእኡ ዘዀረዮ ዂሉ መዀረዪ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነደደ ንደት ዓብዪ ዂራኡ ኣይተመልሰን።
27 እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ንእስራኤል ዘግለስክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድሚ ገጸይ ከግልሶ እየ፡ ነዛ ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ነዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልክዋ ቤትን ከኣ ክድርብየን እየ፡ በለ።
28 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
29 ብዘመኑ ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ናብ ንጉስ ሶርያ ናብ ርባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ዮስያድ ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ንሱ ኸኣ ምስ ረአዮ፡ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።
30 ገላዉኡ ድማ ብምውቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኸኣ ኣንገስዎ።
31 ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።
32 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
33 ፈርኦን ኔኮ ድማ ኣብ የሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ።
34 ፈርኦን ኔኮ ድማ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ። ንዮኣሓዝ ግና ወሰዶ እሞ ናብ ግብጺ መጸ፡ ኣብኣ ድማ ሞተ።
35 ዮያቂም ከኣ ንፈርኦን ብሩርን ወርቅን ሀቦ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ገንዘብ ምእንቲ ኺህብሲ ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። እቲ ብሩርን ወርቅን ንፈርኦን ኔኮ ምእንቲ ኺህብሲ፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ከም ስልዕቱ ኣኽፈሎ።
36 ዮያቂም ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዘቡዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ጴዳያ ብዓል ሩማ እያ።
37 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።

 

1 ብዘመኑ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ደየበ እሞ፡ ዮያቂም ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ መሊሱ ዐለዎ።
2 እግዚኣብሄር ድማ ጭፍራታት ከለዳውያንን ጭፍራታት ሶርያውያንን ጭፍራታት ሞኣባውያንን ጭፍራታት ደቂ ዓሞንን ሰደደሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ባሮቱ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ ምእንቲ ኼጥፍእዋ ናብ ይሁዳ ሰደዶም።
3-4 እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።
5 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
6 ዮያቂም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮያኪን ነገሰ።
7 ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን።
8 ዮያኪን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፡ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ።
9 ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
10 በቲ ጊዜ እቲ ገላዉ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ተኸበት።
11 እቶም ገላዉኡ ኸቢቦምዋ ኸለው ኸኣ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መጸ።
12 ሽዑ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ንሱን ኣዲኡን ገላውኡን ሓላቑኡን ስሉባቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጹ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብሳምነይቲ ዓመት መንግስቱ ሐዞ።
13 ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ንብዘሎ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ኣውጽኤ፡ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ሰባበሮ።
14 ንብዘላ የሩሳሌምን ንዂሎም ሓላቑን ንዂሎም ሓያላት ጀጋኑን፡ ዓሰርተ ሽሕ ምሩኻት፡ ንዂሎም ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ማረኸ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብዘይ እቶም ድኻታት፡ ገለ እዃ ኣይተረፈን።
15 ንዮያኪን ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾ፡ ነደ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንስሉባቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከኣ ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
16 ንዂሎም ሓያላት ሰባት ሾብዓተ ሽሕ ዚዀኑ፡ ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ሽሕ፡ ኲሎም ጀጋኑ ንውግእ ዚበቕዑ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ኣእተዎም።
17 እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንሓው ኣቦኡ ማታንያ ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ጼዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።
18 ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።
19 ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮያቂም ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
20 እዚ ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ካብ ቅድሚ ገጹ ኽሳዕ ዚድርብዮም ዝዀነ፡ ብምኽንያት ኲራ እግዚኣብሄር እዩ። ጼድቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ።

1 ኰነ ድማ፡ ብታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኲሉ ሰራዊቱ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸበባ። ብዙርያኣ ኸኣ ዕርዲ ነደቑላ።
2 እታ ኸተማ ድማ ንጼድቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ብመካበብያ ተዐጽወት።
3 ካብታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዔ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ንእንጌራ ኣይነበሮምን።
4 ሽዑ ነታ ኸተማ ብሓደ ቦታ ኣፍረሱላ። እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ንጉስ ብመገዲ ጐልጐል ከደ። ኲሎም ሰብ ውግእ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ መካበብያ ዘሎ ደገ፡ ብመገዲ እቲ ደገ ገይሮም ሀደሙ።
5 እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎ፡ ብዘለዉ ሰራዊቱ ድማ ካብኡ ፋሕ በሉ።
6 ሽዑ ነቲ ንጉስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፡ ፍርዲ ኸኣ ፈረድዎ።
7 ንደቂ ጼድቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፡ ንጼዴቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣዖርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
8 በታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመቱ፡ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ የሩሳሌም መጺኡ፡
9 ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ተኰሰ፡ ንዂሉ ዓበይቲ ኣባይቲ ድማ ብሓዊ ተኰሰ።
10 ምስቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ንመካበብያታት የሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረሶ።
11 ነቡዛራዳን፡ እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ተረፍ ኣቲ ህዝብን ነቶም ሃዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን እተጸግዑን ካብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝተረፉን ማረኽዎም።
12 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ግና ካብቶም ድኻታት እታ ሃገር ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዐዩን መሬት ኪሐርሱን ኢሉ ሐደጎም።
13 እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ መቐመጢታትን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ነቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
14 ንድስትታትን መጽሓርያታትን ካራታትን ጽዋኣትን ነቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ።
15 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንጽንሃታትን ንጭሔሎታትን ናይ ወርቂ ኸም ወርቂ፡ ናይ ብሩር ከም ብሩር ገይሩ ወሰዶ።
16 እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ሓደ ባሕርን መቐመጢታትን ናይ እዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ ድማ ሚዛን ኣይነበሮን።
17 ቊመት እቲ ሓደ ዓንዲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ ነበሮ፡ ቊመት እቲ ጒልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ ነቲ ጒልላት ከኣ ብዙርያኡ ዓይነ ርግብን ሮማንን ነበሮ፡ እዚ ዂሉ ኻብ ኣስራዚ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓንዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ገበሮ።
18 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሊቀ ኻህናት ሰራያን ንጸፋንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ደገን ወሰዶም።
19 ካብታ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዝ ሰብ ውግእ ዝነበረ ስሉብን ካብቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብታ ኸተማ እተረኽቡን ነቲ ጸሓፊ፡ እቲ ንህዝቢ እታ ሃገር ንወትሃደርነት ዚጽሕፍ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትን ካብቶም ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ስሳ ሰባት ወሰደ።
20 ነዚኣቶም ከኣ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ወሲዱ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም።
21 እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።
22 ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘትረፎ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፈ ህዝቢ ንኣታቶም ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም፡ ወዲ ሻፋን፡ ሸመሎም።
23 ኲሎም ሓላቑ ሰራዊታት፡ ንሳቶምን ሰቦምን፡ እስማኤል ወዲ ነታንያን ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን ያኣዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን፡ እዚኣቶምን ሰቦምን ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ኸም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ።
24 ገዳልያ ድማ፡ ካብ ገላዉ ከለዳውያን ኣይትፍርሁ፡ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፡ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ እሞ ጽቡቕ ነገር ኪዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ንኣታቶምን ንሰቦምን መሐለሎም።
25 በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ግና ዀነ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ወዲ ኤሊሻማ፡ ዓሰርተ ሰብ ድማ ምስኡ መጺኦም ንገዳልያ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ፡ ነቶም ምስኡ ኣብ ሚጽጳ ዝነበረ ኣይሁድን ከለዳውያንን ከኣ ቀተልዎም።
26 እቶም ህዝቢ ብዘለዉ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን፡ እቶም ሓላቑ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ እሞ፡ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ።
27 ኰነ ኸኣ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዚማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ፡ ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን በታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።
28 ምስኡ ኸኣ ጥዑም ተዛረበ፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋውንቲ እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።
29 ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኸኣ ወርትግ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ።
30 ነንመዓልቲ ዚቕለቦ ቐለብ ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ወርትግ ካብ ንጉስ ተዋህቦ።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...