ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ዜና መዋዕል ካልዕ 2 (2 Chronicles)

ንጥበብ ሰሎሞን ማለት ንህንጸትን ህንጸትን እታ ንጐይታ ኣምላኽ እተወፈየት ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዚሽፍን እዩ ። “እቶም ብስመይ ዚጽውዑ ህዝበይ ከኣ ትሕት ኢሎም ይጽልዩ ገጸይ ይደልዩ ካብ ክፉእ መገዶም ከኣ ይምለሱ ሽዑ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ ሓጢኣቶም ኪሐድገሎም ምድራቶምውን ኬሕውየሎም እዩ።” (7 14) እተን ኣብ 2 ዜና መዋእል ዚርከባ ናይ መወዳእታ ምዕራፋት ብዛዕባ እቲ ህዝቢ እስራኤል እተመቓቐሉሉ ፍጻመታት እየን ዚገልጻ ። እቲ ህዝቢ ኣብ ክልተ መንግስትታት ተመቕለ፣ እዚ ኸኣ ሰሜንን ደቡብን እዩ። ሰሜናዊት መንግስቲ ኻብ ንጉስ ሮብዓም ዓሊማ ሓድሽ ንጉስ ወሰደት፣ ስሙ የሮብዓም ይበሃል ። 2ይ ዜና መዋእል ብቐንዱ ኣብ ፍጻመታት ደቡባዊ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜተኵር። እዚኣቶም 20 ነገስታትን ካብ ንጉስ ዳዊት ዝመጸ ስርወ-ንግስነትን ይርከብዎም። እዘን ምዕራፋት እዚኣተን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ምርኮ ባቢሎንን ዘጋጠመ ፍጻመታት እየን ዚገልጻኦ ። ይኹን እምበር ጐይታ ይቕረ ስለ ዚብልን ምሕረት ጐይታ ስለ ዝዀነን ኣብተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ፍቕድታት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተራእዩ እዩ። ቆጵሮስ ንጉስ ፋርስ ተረፍ እስራኤል “ቃል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጽሙ” ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ምዃኖም ገለጸ። ኣብ መወዳእታ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኪሃንጽዋ ኸኣሉ።

መጽሐፈ ዜና መዋዕል ካልዕ 2 (2 Chronicles)

1 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣብ መንግስቱ ጸንዔ። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ ልዕል ኣቢሉ ኸኣ ኣዕበዮ።
2 ሰሎሞን ድማ ንብዘሎ እስራኤል፡ ንሓላቑ ሽሕን ሚእትን ንፈረድትን ንዂሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፡ ተዛረቦም።
3 እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ዝገበሮ ናይ ኣምላኽ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ሰሎሞን፡ ብዘሎ ማሕበር ከኣ ምስኡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ በሪኽ ከዱ።
4 ግናኸ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የረዓም ናብታ ንሱ ዘዳለወሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ።
5 እቲ በሳልኤል፡ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፡ ዝገበሮ መሰውኢ ኣስራዚ ግና ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር ነበረ። ሰሎሞንን እታ ማሕበርን ከኣ ኣብኡ ይጥይቑ ነበሩ።
6 ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ኣብ ልዕሊኡ ሽሕ ዚሐርር መስዋእቲ ሰውኡ።
7 ኣምላኽ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ድማ በሎ።
8 ሰሎሞን ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ንስኻ ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ኣንገስካኒ።
9 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ምብዛሑ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ነቦይ ዳዊት ዝነገርካዮ ቓል ሕጂ ፈጽሞ።
10 ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ፡ በለ።
11 ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን፡ እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእንቲ ኽትክእልስ፡ ጥበብን ፍልጠትን ኪውሀበካ ስለ ዝለመንካ እምበር፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ኻብ ዘይለመንካስ፡
12 ጥበብ ፍልጠትን ተዋሂቡካ ኣሎ። ድማ ቅድሜኻ ንዝዀነ ዘበለ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፡ ብድሕሬኻ ዚትንስእ ዘበለውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ክህበካ እየ፡ በሎ።
13 ሰሎሞን ድማ ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ ናብ የሩሳሌም መጸ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ገዝኤ።
14 ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን አከበ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ንጉስ ኣቐመጦም።
15 እቲ ንጉስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ወርቅን ብሩርን ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።
16 እቶም ንሰሎሞን ዝነበርዎ ኣፍራስ ከኣ ካብ ግብጺ እዮም ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ ናይ ንጉስ ነጋዶ ብጒዕዞታት፡ ነንጒዕዞ ብዋጋኡ፡ ተቐበልዎም።
17 ሰሰረገላ ብሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር፡ ፈፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን ዐዲጎም፡ ካብ ግብጺ ኣምጽኡ፡ ከምኡ ድማ ብኢዶም ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገሰታት ሶርያን የውጽኡሎም ነበሩ።

 

1 ሰሎሞን ድማ ንስም እግዚኣብሄር ቤት፡ ንመንግስቱ ኸኣ ቤት ኪሰርሕ ሐሰበ።
2 ሰሎሞን ድማ ሰብዓ ሽሕ ጾር ዚጾሩ ሰብ፡ ሰማንያ ሽሕ ሰብውን ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ፡ ነዚኣቶም ዚሕልዉ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ቈጸረ።
3 ሰሎሞን ድማ ናብ ሑራም ንጉስ ጢሮስ፡ ልኢኹ በሎ። ከምቲ ነቦይ ዳዊት፡ ንሱ ዚነብረላ ቤት ኪሰርሕስ፡ ኣእዋም ቄድሮስ ብምስዳድካ ዝገበርካሉ፡ ንኣይ ከኣ ከምኡ ግበረለይ።
4 እንሆ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቕድሰሉ ቤት ክሰርሕ እየ፡ ኣብኣ ኣብ ቅድሚኡ ጥዑም ዝጨናኣ ዕጣን ኪዐጥኑ፡ እንጌራ ምርኣይውን ኲሉ ጊዜ ኺሰርዑ፡ ንግሆን ምሸትን በብሰናብትን ሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከኣ ዚሐርር ምስዋእቲ ኼዕርጉ። እዚ ንእስራኤል ንሓዋሩ ተሓጊጉሎም እዩ።
5 ኣምላኽና ድማ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዚዐቢ እዩ እሞ፡ እታ ኣነ ኽሰርሓ ኢለ ዘሎኹ ቤት ዓባይ ክትከውን እያ።
6 ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይአኽሎን እዩ እሞ፡ ቤት ኪሰርሓሉ ዚኽእል መን ኣሎ፡ ኣነኸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዐጥነላ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ቤት ዝሰርሐሉ መን እየ፡
7 ሕጂ ድማ ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሰማያውን ኪዐዪ ጥበብ ዘለዎ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኰይኑ፡ ኲሉ ዓይነት ቅርጺ ምቕራጽ ዚፈልጥ ሰብ ስደደለይ።
8 ገላዉኻ ምቚራጽ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዜስተውዕሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ቄድሮስን ጽሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም።
9 እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤት ከኣ ዓባይን ግርምትን ክትከውን እያ እሞ፡ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ።
10 እንሆ ኸኣ፡ ንገላዉኻ፡ እቶም ኣእዋም ዚቘርጹ፡ ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ክዩድ ስርናይን ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ዕስራ ሽሕ ባት ወይንን ዕስራ ሽሕ ባት ዘይትን እህብ።
11 ሑራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ንሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደሉ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፡ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ገበረካ።
12 ሑራም ድማ ቀጺሉ በለ፡ ንእግዚኣብሄር እትኸውን ቤትን ንርእሱ እትኸውን ቤተ መንግስትን ዚሰርሕ፡ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ ንንጉስ ዳዊት ዝሀቦ፡ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
13 ሕጂ ድማ ሑራም – ኣቢ ዚበሀል ብልህን ኣስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣሎኹ፡
14 ንሱ ወዲ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካብ ኣዋልድ ዳን፡ እዩ፡ ኣቦኡ ኸኣ ጢሮሳዊ ሰብኣይ ነበረ። ብዕዮ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን እምንን ዕንጨይትን ሕብሪ ደምን ሰማያዊ ልሕጺ ድማ ምቕራጽ ዚፈልጥ፡ ኲሉ ዓይነት ብልሓት ስራሕውን ኪሐስብ ዚኽእል እዩ። ንእኡ ምስ ብልህታትካን ምስ ናይ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ብልህታትን ሕብረት ይወሀቦ።
15 እምበኣርሲ ሕጂ፡ እቲ ጐይታይ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ንባሮቱ ይስደደሎም።
16 ንሕና ኸኣ ኣብ ሊባኖስ ከም ዜድልየካ ኣእዋም ክንቈርጽ ኢና፡ ብባሕሪ እናሰፈፍናውን ናብ ያፎ ነብጽሓልካ፡ ንስኻ ድማ ናብ የሩሳሌም ተደይቦ።
17 ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ዂሎም ጓኖት ሰብኡት ቈጸሮም፡ እዚ ድሕሪ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐጸሮም ምቚጻር ኰነ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ።
18 ካባታቶም ከኣ ሰብዓ ሽሕ ዚጾሩ፡ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ፡ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነቲ ህዝቢ ዜዕይይዎ ሓለውቲ ኸኣ ገበረ።

 

1 ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ከረን ሞሪያ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት እተራእየሉ፡ ዳዊት ከኣ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሕ ጀመረ።
2 ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ግዝኣቱ፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብኻልአይቲ መዓልቲ ኺሰርሕ ጀመረ።
3 ሰሎሞን ንምስራሕ እታ ቤት ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ እዚ እዩ፡ ምንዋሑ በቲ ናይ ቀደም መለክዒ ስሳ እመት፡ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት።
4 እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡ ምንዋሑ ኸም መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቊመቱ ድማ ሚእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቊመቱ ድማ ማðእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ።
5 ነታ ዓባይ ቤት ድማ ብሉሕ ጽሕዲ ኸደና፡ንእኡውን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስየታትን ሰንሰለታትን ገበረ።
6ነታ ቤት ኪስልማ ድማ ክቡር ኣእማን ገበረላ። እቲ ወርቂ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም እዩ ዝነበረ።
7 ነታ ቤትን ነቲ ኣግማልን ንልዳውትን ንመንደቓታን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፡ ኣብቲ መንደቓት ድማ ኪሩቤል ቀረጸሉ።
8 ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ገበረ፡ ምንዋሓ፡ ከም ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ምግፋሓ ድማ ዕስራ እመት ነበረ፡ ብሽዱሽተ ሚእቲ ታለንት ዚአክል ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ።
9 ሚዛን ሽንካራትውን ሓምሳ ሲቃል ወርቂ ነበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን።
10 ኣብታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ክልተ ናይ ወቐርቲ ስራሕ ብዝዀኑ ኪሩቤል ገበረ፡ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም።
11 ምንዋሕ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ከኣ ዕስራ እመት ነበረ። እታ ሓንቲ ኽንፊ ናይቲ ሓደ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊውን ሓሙሽተ እመት ነበረት።
12 ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት እሞ፡ ንኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ተርክብ ነበረት።
13 ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኣቶም ዕስራ እመት ተዘርጊሔን ነበራ። በእጋሮም ከኣ ደው ኢሎም፡ ገጻቶም ናብ ቤት ኣቢሉ ነበረ።
14 ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፡ ኪሩቤል ከኣ ገበረሉ።
15 ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ድማ፡ ሰሰላሳን ሓሙሽተን እመት ዝቚመቱ፡ ክልተ ዓንዲ ገበረ፡ እቲ ኣብ ረርእሶም ዝነበረ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
16 ኣብታ ቤት ራእይ ድማ ሰንሰለታት ገይሩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበረን። ሚእቲ ሮማን ገይሩ ኸኣ ኣብተን ሰንሰለታት ኣእተወን።
17 ነቶም ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መቕደስ፡ ሓደ ብየማን ሓደ ኸኣ ብጸጋም ኣቘምዎ፡ ስም እቲ የማናይ ያቂን፡ ስም እቲ ጸጋማይውን ቦዓዝ ኢሉ ኣውጽኣሎም።

 

1 መሰውኢ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፡ ምብራኹውን ዓሰርተ እመት።
2 ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱውን ሓሙሽተ እመት ነበረ። ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍራ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ።
3 ብታሕቲ ኸኣ ብዘሎ ዙርያኡ፡ ነቲ ባሕሪ ብዘሎ ዙርያኡ ዝኸበብዎ ምስሊ ኣብዐêር ነበርዎ፡ በብእመት ዓሰርተ። እቶም ኣብዑር ኣብ ክልተ መስርዕ ኰይኖም፡ ምስቲ ባሕሪ ብሓንሳእ ዝፈሰሱ እዮም።
4 ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንደቡብ ገጾም፡ እቶም ሰለስተ ኸኣ ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ናብ ውሽጢ ኣቢሉ ነበረ።
5 ምርጓዱ ድማ ስድሪ ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራሕ ወሰን ጽዋእ፡ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበረ። ሰለስተ ሽሕ ባት ኣእትዩ ይሕዝ ነበረ።
6 ብእኡ ምእንቲ ኪሐጽቡ ድማ፡ ዓሰርተ ገበራ ሰርሔ፡ ሓሙሽተ ኣብ የማን፡ ሓሙሽተ ኸኣ ኣብ ጸጋም ኣንበረ። ነቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ነገር ኣብኡ ይሐጽቡ ነበሩ። እቲ ባሕሪ ግና እቶም ካህናት ዚሕጸቡሉ ዝነበረ እዩ።
7 ድማ ካብ ወርቂ ነቲ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ ብዛዕባኡ እተአዘዘ ገበረ፡ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም ገይሩ ኣንበሮም።
8 ዓሰርተ ሰደቓ ድማ ገበረ፡ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም ገይሩ ኣቘሞ። ሚእቲ ጭሔሎ ወርቂውን ገበረ።
9 ድማ ነቲ ኣጸድ ካህናትን ነቲ ገፊሕ ኣጸድን ነቲ ኣጸድ ከኣ መዓጹን ገበረ፡ ነቲ መዓጹኦምውን በስራዚ ለበጦ።
10 ነቲ ባሕሪ ድማ ንምብራቕ – ደቡብ ብዜብል የማናይ ወገን እቲ ቤት ኣንበሮ።
11 ሑራም ከኣ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ገበረ። ሑራም ድማ ነቲ ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት ኣምላኽ ዝሰርሓሉ ዕዮ ፈጸሞ።
12 ነቲ ኽልተ ዓንድን ነቲ ጒልላትን ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ኽልተ ኸበብትን ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ከበብቲ ጒልላት ዚኸድን ክልተ ዓይነ ርግብን
13 ናይ ክልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣዕኑድ ዝነበረ ኸበብቲ፡ ነቲ ጒልላቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ክልተ መስርዕ ሮማን፡
14 ነቲ መቐመጥታትን ከኣ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጥታውን ነቲ ገበራታት ገበሮ።
15 ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን፡
16 ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን ሸኳታትን ንዂሉ ኣቓሑኡን ድማ ሑራም – ኣቢ ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ካብ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ገበሮ።
17 እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጐ ሱኰትን ጻሬዳን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ።
18 ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኺምርመር ክሳዕ ዘይከኣል፡ ሰሎሞን ንዂሉ እዚ ኣቓሑ እዚ ኣዝዩ ኣብዝሖ።
19 ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝነበረ ዂሉ ኣቓሑ፡ ነቲ ናይ ወርቂ መሰውእን ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚነበሮ ሰደቓታትን ገበሮ።
20 ከም ስርዓቱ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኪበርሃስ፡ ነተን ካብ ጽሩይ ወርቂ እተገብራ ቐወምቲ ቐነዲል መምስ ቀንዴለን።
21 ናይ ወርቂ፡ ንሱ ኸኣ ፍጹም ወርቂ፡ ዕምባባታትን ቀልዒ ቐነዲልን መሳቐዪታትን፡
22 ናይ ጽሩይ ወርቂ ኻራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ ገበረ። ብዛዕባ ደገ እቲ ቤት ከኣ፡ ናይቲ ውሽጣዊኡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን ናይ ቤተ መቕደስ መዓጹን ካብ ወርቂ ነበረ።

 

1 በዚ ኸምዚ እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ተወድኤ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንዂሉ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ።
2 ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮን፡ ከደይብዎ፡ ናብ የሩሳሌም አከቦም።
3 ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ተአከቡ።
4 ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦታ ኣልዓልዎ።
5 ነቲ ታቦትን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናት ሌዋውያን ኣደየብዎ።
6 ንጉስ ሰሎሞን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሔን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቊጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ።
7 እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስቲ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ።
8 እቶም ኪሩቤልሲ ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ኪሩቤል ንታቦትን ንመሰላታቱን ካብ ላዕሊ ኸደንዎ።
9 ጫፍ እቲ መሰላታት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ካብቲ ታቦት ክሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ።
10 ኣብቲ ታቦት ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት ገለ ኻልእ ኣይነበረን፡ እዚ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝኣተወሉ ጊዜ ዀነ።
11 ኰነ ድማ፡ እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ – ብዘለዉ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናትሲ ነነየናይ ክፍሊ ምዃኖም ከይጥምቱ ባዕሎም ተቐዲሶም ነበሩ እሞ፡
12 እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ ካባታቶም መዘምራን ዝነበሩ ዂሎም፡ኣሳፍ፡ ሄማን፡ የዱቱን፡ ደቆምን ኣሕዋቶምን ከኣ፡ ክዳን ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ለቢሶም፡ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን ሒዞም፡ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው በሉ፡ ምሳታቶም ድማ መለኸት ዚነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናት።
13 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑ፡ ብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም፡ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዘïኣብሄር ደበና መልኦ።
14 ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።

 

1 ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ከም ዚነብር፡ ኢሉ ኣሎ፡ በለ።
2 ኣነ ግና፡ ንስኻ እትቕመጦ ቤትን ንዘልኣለም እትነብረሉ ስፍራን ሰሪሔልካ ኣሎኹ፡ በለ።
3 እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ።
4-6 በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሐሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዚኸውን ሰብኣይውን ኣይሐሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኺነብር፡ ሐርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን፡ ሐርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ።
7 ኣቦይ ዳዊት ከኣ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሓሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።
8 እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ ሐሲብካ እኔኻ፡ እዚ ብልብኻ ሰል ዝሐሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ።
9 ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዚወጽእ ወድኻ ደኣ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይክትሰርሖን ኢኻ።
10 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲኤ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሔ ኣሎኹ።
11 ነታ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ቓል ኪዳን ዘለዋ ታቦት ኣብኡ ኣንቢረያ ኣሎኹ።
12 ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሔ።
13 ሰሎሞንሲ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝምግፋሑ፡ ሰለስተ እመትውን ዝምብራኹ ናይ ኣስራዚ መበረኽ ተዛራቢ ሰሪሑ ነበረ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣጻድ ከኣ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣአዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።
14 በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ የልቦን።
15 እቲ ንባርያኻ። ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ።
16 ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብሕገይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣ ሐልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣይኪሰኣነካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ።
17 ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ንባርያኻ ዳዊት እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን።
18 ግናኸ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ? እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይኽእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኸመይ ገይራ?
19 ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ፡ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህለላኡን ምለስ።
20 ኣዒንትኻ መዓልትን ለይትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ንስምካስ ኣብኣ ኸንብሮ እየ? ዝበልካያ ቦታ ይከፈታ እሞ፡ ነቲ ባርያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሉ ዚጽልዮ ጸሎት ስማዕ።
21 ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም ዚምህለልዎ ጸሎት ስምዓዮ፡ እወ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፡ ብዝሰማዕካውን ይቕረ በል።
22 ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ እሞ፡ ማሕላ ምሐል፡ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት ኪምሕል እንተ መጸ፡
23 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስምዓ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊኦ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትምለሶ፡ ቅጽዓዮ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ከም ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም።
24 ህዝብኻ እስራኤል፡ ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ኣብ ቅድሚ ጻላኢ እንተ ተሳዕሩ፡ ተመሊሶም ድማ ኣብዛ ቤት እዚኣ ብስምካ እንተ ተኣመኑን፡ ኣብ ቅድሜኻውን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን፡
25 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብዛ ንኣታቶምን ነቦታቶምን ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።
26 ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ሰማይ እንተ ተዐጽወ እሞ እንተ ዘይዘነመ፡ ንስኻ ምስ ኣዋረድካዮም፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ ብስምካውን እንተ ተኣመነê፡ ካብ ሓጢኣቶም ድማ እንተ ተመልሱ፡
27 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትምህሮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባሮትካን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነቲ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ።
28 ጥሜት ኣብ ሃገር እንተ ዀነ፡ ፌራ እንተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ መጸ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገር ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መጸ፡
29 ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ቊስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሔ፡
30-31 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።
32 ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ምእንቲ እዚ ዓብዪ ስምካን እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኢሉ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ጸለየ፡
33 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ፡ ስማዕ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤትውን ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡ።
34 ህዝብኻ በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹ፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም፡ ንኣኻ እንተ ለመኑ፡
35 ሽዑ ኻብ ሰማይ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍትሒ ኣውጽኣሎም።
36 እንተ በደሉኻ፦ ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፦ ብኣታቶም ኰሪኻ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሀብካዮም እሞ ኣብ ርሑቕ ኰነ ወይ ኣብ ቀርባ ናብ ዘላ ሃገር ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡
37 ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም፡ ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጠኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፡
38 ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎምን ከለዉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮ ዀይኖምስ፡ ገጾም ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዘሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡
39 ሽዑ ኻብ ሰማይ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ ጸሎቶም ምህልላኦምን ሰሚዕካ፡ ፍትሒ ኣውጽኣሎም፡ ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ ሕደገሎም።
40 ሕጂ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንተጸለየ ጸሎትስ ኣዒንትኻ ይከፈታ፡ ኣእዛንካውን ይስምዕኦ።
41 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ናብ መዕረፊኻ ተንስእ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ካህናትካ ምድሓን ይልበሱ፡ ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሐጐሱ።
42 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንገጽ ቅቡእካ ንድሕሪት ኣይትምለሶ፡ ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ምሕረት ዘክሮ።

 

1 ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድኤ ድማ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዓቶ፡ ነታ ቤትውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ።
2 ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኣ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ኪኣትዉ ኣይከኣሉን።
3 ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ምውራድ ሓውን ክብሪ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ረኣዩ፡ ኣብታ ብእምኒ እተራዕርዔት ቦታ ኸኣ ብገጾም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፡ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንሱ ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር፡ ኢሎም ኣመስገንዎ።
4 እቲ ንጉስን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።
5 ንጉስ ሰሎሞን ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ። በዚ ኸኣ እቲ ንጉስን ኲሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት ኣምላኽ ቀደስዋ።
6 እቶም ካህናት ድማ በብኣገልግሎቶም ቈይሞም ነበሩ፡ ሌዋውያንውን እቲ ንጉስ ዳዊት ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኪምስገነሉ ኢሉ ዝገበሮ መሳርያ ሙዚክ እግዚኣብሄር ሒዞም ነበሩ፡ ዳዊት ድማ ብኣታቶም የመስግን ነበረ። እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ደው ኢሉ ነበረ።
7 እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ናይ ኣስራዚ መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታትን ምእካል ስለ ዝሰአኖ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብቲ ማእከላይ ኣጸድ ስለ ዝሰውኦ፡ ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ።
8 በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እተእቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ኣዝዩ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ።
9 ምቕዳስ እቲ መሰውኢ ብሾብዓተ መዓልቲ፡ እቲ በዓል ከኣ ብሾብዓተ መዓልቲ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ዓብዪ በዓል ገበሩ።
10 በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ናብ ድንኳውንቶም ሰደደኦም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ሕጉሳትን ልቦም ባህ ዝበሎን ኰይኖም ነበሩ።
11 እምብኣርስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ፈጸመ፡ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤቱን ኪገብር ንሰሎምን ናብ ልቡ ዝመጾ ዂሉ ኸኣ ሰለጦ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉ፡ በሎውን፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ነዛ ቦታ እዚኣውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሐርየያ ኣሎኹ።
13 ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡
14 እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
15 ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን።
16 ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሐርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ።
17 ንስኻ ድማ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ጌርካ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡
18 ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ኣይኪሰኣነካን እዩ፡ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኸጽንዖ አየ።
19 ንስኻትኩም ግና ተመሊስኩም ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሐደግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣምልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን፡
20 ሽዑ ኻብዛ ዝሀብክዎም ምድረይ ክምንቊሶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ ኣብ መንጎ ዂሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መድረፍን ክገብራ እየ።
21 ነፍሲ ወከፍ በዛ ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እዚኣ ዚሐልፍ ከኣ፡ ብእኣ ኺድነቕ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ኪምዚ ዝገበረን? ኪብል እዩ።
22 ከምዚ ኢሎም ከኣ ይመልሱሉ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደግዎ፡ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ኸኣ ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘምለኽዎምን፡ ስለዚ ነዚ ዂሉ ኽፉእ ነገር ኣብ ልዕሌኦም ኣምጽኤ።

1 ኰነ ድማ፡ እተን ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት ምስ ተወድኣ፡
2 ሰሎሞን ነተን ሑራም ንሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ሰርሔን፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብኤን ኣቐመጦም።
3 ሰሎሞን ከኣ ናብ ሓማት – ጾባ ኸይዱ ንእኣ በርትዓ።
4 ኣብ በረኻ ድማ ንታድሞር ሰርሓ፡ ንዂለን እተን ኣብ ሓማት እተሀንጻ ኸተማታት መዛግብቲውን ሰርሔን።
5 ንቤት – ሖሮን ላዕላይን ንቤት – ሖሮን ታሕታይን ከኣ መካበብያታትን መዓጹን መሓርሃሪታትን ዘለወን እተዐርዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሔን።
6 ንበዓላትን ንሰሎሞን ዝነበራኦ ዂለን ከተማታት መዛግብትን ኲለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን ኲለን እተን ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሊባኖስን ኣብ ብዘላ ሃገር ግዝኣቱን ከም ባህጉ ኺሰርሕ ኢሉ ዝደለዮ ገይሩ ሰርሔን።
7 እቶም ካብ እስራኤል ዘይኰኑ ዂሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይብሳውያንን ዝተረፉ፡
8 ካብቶም ብድሕሪኦምሲ እቶም ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግብሩ ግዙኣት ገበሮም።
9 ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን ኣብቲ ዕዮኡ ኣገልገልቲ ኣይገበረን፡ ንሳቶምሲ ተዋጋእትን ሹማምቲ ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደኣ ነበሩ።
10 እዚኣቶም ድማ ናይ ንጉስ ሰሎሞን ሓላቑ ዋናታት፡ ነቲ ህዝቢ ዚእዝዙ፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
11 ሰሎሞን ድማ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብኤን ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታታት ኰይነን እየን እሞ፡ ሰበይተይ ኣብኣ ኣይክትነብርን እያ፡ ስለ ዝበለ፡ንጓል ፈርኦን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ዝሰርሓላ ቤት ኣደየባ።
12-13 ሽዑ ሰሎሞን ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ እናገበረ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን በቲ ምዱብ በዓላትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ፡ ማለት ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ እቲ ነንምአዓልቲ ዚግባእ መስዋእቲ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ዝሰርሖ፡ ንእግዚኣቢሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገሉ።
14 ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝሰርዖ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናት ናብ ኣገልግሎቶም፡ ንሌዋውያንውን በብመዓልቲ ኸም ዚግባእ ኬመስግኑን ኣብ ቅድሚ ኻህናት ኬገልግሉን ኣመዘዞም፡ ነቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ከም ክፍልታቶም ኣብ ደደገ ኺሕልዉ ኣቘሞም፡ እዚ ኸኣ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምኡ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ።
15 ብዛዕባ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብናይ ዝዀነ ነገር ወይ ብናይ መንግስቲ ኻብ ትእዛዝ ንጉስ ኣየግለሱን።
16 ከምዚ ኢሉ ዂሉ እቲ ዕዮ ሰሎሞን ክሳዕ እታ መዓልቲ ምስራት ቤት እግዚኣብሄርን ክሳዕ ምፍጻማን ተዳለወ። እታ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ተፈጸመት።
17 ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶም ናብ ዘለዋ ዔጽዮን – ጋበርን ናብ ኤሎትን ከደ።
18 ሑራም ድማ ብገላዉኡ ገይሩ መራኽብን ባሕሪ ዚፈልጡ ገላዉን ሰደደሉ፡ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ድማ ናብ ኦፊር ከዱ፡ ካብኡ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምጽእዎ።

 

1 ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ምስ ሰምዔት፡ ንሰሎሞን ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ፡ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞን ቀመማትን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝጾራ ኣግማል ሒዛ ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ።
2 ሰሎሞን ከኣ ነቲ ዝጠየቐቶ ዂሉ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ሰሎሞን እተሰወረ ነገር ከኣ ኣይነበረን።
3-4 ንግስቲ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን መብልዕ መኣዱን ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣቓውማ ኣገልገልቱን ኣኻዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ኣኻዳድናኦምን ነቲ ናብ ቤት እግዘïኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።
5 ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ።
6 መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዚርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባኦም ኣይኣመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ነዚ ዕቤት ጥበብካስ ፈረቓኡ እኳ ኣይነገሩንን፡ ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ትበልጽ ኢካ።
7 እቶም ሰብካ ብጹኣት እዮም፡ እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎምስ ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ድማ ብጹኣን እዮም።
8 እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንጉስ ክትከውን ኣብ ዝፋኑ ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘላለም ኬቚሞ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ክትከውን ሸመካ።
9 ንስ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ኣእማንን ሀበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ቐመማትስ ከቶ ኣይነበረን።
10 እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኡ ገላዉ ሑራምን ገላዉ ሰሎሞንን፡ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡር ኣእማንን ከኣ የምጽኡ ነበሩ።
11 ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መደያይቦ፡ ንመዘምራን ዚኸውን ከኣ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለስ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድም ኣይተራእየን።
12 ብዘይ እቲ ንሳ ናብ ንጉስ ኣምጺኣቶ ዝነበረት፡ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ሽዑ ንሳ ተመሊሳ፡ ምስ ገላዉኣ ናብ ሃገራ ኸደት።
13-14 ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዚኣትዎ ዝነበረ ሚዛን ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ኲሎም ነገስታት ዓረብን ምስሌኔታት እታ ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ።
15 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ክልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ሰርሔ፡ ነንሓድ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ቅጥቁጥ ወርቂ ወድኤ።
16 ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ድማ ሰርሔ። ነንሓደ ዋልታ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኤ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።
17 ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሔ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ።
18 እቲ ዝፋን ከኣ ሹድሽተ መደያይቦ ምስ ሓደ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ምስቲ ዝፋን እተለገበ ነበሮ፡ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ።
19 ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ ብዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስትታት ኣይተገብረን።
20 ናይ ንጉስ ሰሎሞን መሳተያ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑውን ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ብዘመን ሰሎሞንሲ ብሩር ከም ቁም ነገር ኣይቊጸርን ነበረ።
21 ንጉስሲ ምስ ገላዉ ሑራም ናብ ተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተጽዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ።
22 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብሃብትን ጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ።
23 ኲሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበብ ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰሎሞን ኪመጹ ይደልዮ ነበሩ።
24 ንሳቶም ከኣ ነፍሲ ወከፎም ገጸ በረኸቱ፡ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ።
25 ሰሎሞን ድማ ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ነዚኣቶም ከኣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ኣቐመጦም።
26 ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገስታት ካብቲ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ይገዝእ ነበረ።
27 እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳጋል ዝምብዛሑ ገበሮ።
28 ኣፍራስ ድማ ንሰሎሞን ካብ ግብጽን ካብ ኲለን ሃገራትን የምጽኡሉ ነበረ።
29 እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣሒያ እቲ ሺሎናውን ኣብ ራእይ የዕዶ ብናይ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ዝረኣዮዶ ተጽሒፉ ኣየሎን?
30 ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ።
31 ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።

1 ብዘለዉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግስዎ ናብ ሴኬም መጺኦም ነበሩ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ።
2 ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ – ንሱ ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ – የሮብዓም ካብ ግብጺ ተመልሰ።
3-4 ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
5 ንሱ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ኸደ።
6 ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧ ኢሉ ተማኸረ።
7 ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ህያው እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ትልውሃሎም ድማ፡ ጽቡቕ ቃላትውን እንተ ተዛረብካዮም፡ ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀውኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
8 ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሐዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ።
9 እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ምኽሩ ተማኽሩኒ? በሎም።
10 እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ነዞም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፡ ንስኻ ግና ኣቕልለልና። ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ ኸምዚ በሎም፡ እዛ ንእሽቶይ ኣጸብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ።
11 ሕጂ ድማ ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ።
12 ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ።
13 ሽዑ እቲ ንጉስ ኣበርቲዑ መለሰሎም። ንጉስ ሮብዓምሲ ንምኽሪ እቶም ዓበይቲ ሐደጎ።
14 ከምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ከኣ፡ ኣቦይ ነቲ ኣርዑትኩም ኣኽበዶ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኽውስኽ እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
15 እቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ እቲ ሸሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቚሞ፡ እዚ ኻብ ኣምላኽ ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16 ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊትከ እንታይ ክፍሊ ኣሎና? ኣብ ወዲ እሰኢይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ድንኳንካ ተመለስ፡ ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ናብ ድንኳናቱ ኸደ።
17 ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18 ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ሃዶራም ሰደዶ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ የሩሳሌም ሀደመ።
19 በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም ኣለዉ።

 

1 ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ኪመልስዋ፡ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
2 ግንኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ መጸ፡
3 ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን፡ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘሎ ዂሉ እስራኤልን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፡
4 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ኣይትደይቡን ምስ ኣሕዋትኩም ኣይትዋግኡን። ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ንየሮብዓም ኪወግኡ ኻብ ምኻድ ተመልሱ።
5 ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ ኣብ ይሁዳ ዕርዲ ዚዀና ኸተማታት ከኣ ሰርሔ።
6-10 ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት – ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት – ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን።
11 ነቲ ዕርድታት ከኣ ኣጽንዖ፡ ምስለኔታት ድማ ኣቐመጠሉ፡ መዛግብቲ እኽልን ዘይትን ወይንን ገበረሉ።
12 ኣብ ኲለን ከተማታት ከኣ በብኸተማ ዋላቱን ኲናውትን ኣቐመጠለን፡ ኣዝዩ ድማ ኣጽንዔን። ይሁዳን ብንያምን ከኣ ንእኡ ዀና።
13 ኣብ ብዘሎ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኲሉ ዶባቶም ናብኡ መጹ።
14 እቶም ሌዋውያንሲ፡ ካህናት እግዚኣብሄር ኰይኖም ከየገልግሉ፡ የሮብዓምን ደቁን ስለ ዝሰጐጒዎም፡ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እናሐደጉ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከዱ።
15 ንሱ ኸኣ ንርእሱ ነቲ በረኽትን ንኽፉኣት መናፍስትን ነቶም ዝገበሮም ምራኹትን ካህናት ኣቘመ።
16 ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልይዎ ልቦም ዝሀቡ ዘበሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ምእንቲ ኺስውኡሉ፡ ደድሕሪኦም ናብ የሩሳሌም መጹ።
17 ነታ መንግስቲ ይሁዳ ኸኣ ኣበርትዕዋ፡ ሰለስተ ዓመት በታ መገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩ እሞ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ሰለስተ ዓመት ኣጽንዕዎ።
18 ሮብዓም ከኣ ንማሓላት፡ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ዓቢሓዮልን፡ ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ፡ ኣእተዋ።
19 ንሳ ድማ ኣወዳት፡ የዑሽን ሸማርያን ዛሃምን፡ ወለደትሉ።
20 ብድሕሪኣ ኸኣ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ኣእተዋ፡ ንሳ ድማ ኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሸሎሚትን ወለደትሉ።
21 ሮብዓም ከኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፡ ዕስራን ሾሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ድማ ወሊዱ ነበረ፡ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ግና ሓለፋ ዂለን ኣንስቱን ናይ ወሰን ኣንስቱን ይፈትዋ ነበረ።
22 ሮብዓም ከኣ ንኣቢያ ወዲ ማዓካ ኼንግሶ ሐሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣሕዋቱ ሹም ኪኸውን ኣቘሞ።
23 ብምስትውዓል ድማ ንዂሎም ኣወዳቱ ኣብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኲለን ጽኑዓት ከተማታት ኣቐመጦም፡ ብዙሕ ምግቢውን ሀቦም። ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ደለየሎም።

 

1 ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ጸንዔት፡ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዔ፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ሕጊ እግዚኣብሄር ሐደጉ።
2 ኰነ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝዐለውዎ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ናብ የሩሳሌም ደየበ።
3 ብሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን መጸ። ካብ ግብጺ ድማ ቊጽሪ ዜብሉ ህዝቢ፡ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ምስኡ መጹ።
4 ነተን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።
5 ነብዪ ሸማዕያ ኸኣ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺወቅ ሀዲሞም ናብ የሩሳሌም እተኣከቡ ሓላቑ ይሁዳን መጺኡ በሎም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻትኩም ሐደግኩምኒ፡ ስለዚ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺወቅ ሐደግኩኹም።
6 ሽዑ እቶም ሓላቑ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሐቱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ በሉ።
7 እግዚኣብሄር ርእሶም ከም ዘትሐቱ ብዝረኣየ ድማ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ መጸ፡ ርእሶም ኣትሒቶም እዮም እሞ፡ ኣነውን ኣይከጥፍኦምን እየ፡ ሒደት ምንጋፍ ደኣ ኸናግፎም እየ እምበር፡ ቊጥዓይሲ ኣብ የሩሳሌም ብኢድ ሺሻቅ ኣይከፍስሶን እየ።
8 ግናኸ እቲ ንኣይ ምግዛእን ንነገስታት ሃገራት ምግዛእን ልዩነቱ ኺፈልጡስ፡ ገላዉኡ ኪዀኑ እዮም።
9 ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበ፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ።
10 ንጉስ ሮብዓም ግና ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ዝነበሩ ዘብዔኛታት ኣማዕቈበን።
11 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር በብዝኣተወላ እዋን እቶም ዘብዔኛታት መጺኦም ይጾርወን ነበሩ፡ ናብቲ ኽፍሊ ቤት እቶም ዘብዔኛታት ድማ ይመልስወን ነበሩ።
12 ርእሱ ስለ ዘትሐተ ኸኣ፡ ፈጺሙ ኸየጥፍኦስ እቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካብኡ ተመልሰ። ኣብ ይሁዳስ ጽቡቕ ነገር ድማ ነበረ።
13 ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ እሞ፡ ንጉስ ሮብዓም ኣብ የሩሳሌም በርትዔ ገዝኤ ከኣ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ እግዚኣብሄር፡ ስሙ ኣብኣ ኼንብሮ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ ገዝኤ። ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ እትብሀል ዓሞናዊት እያ።
14 ንሱ ድማ ንምድላይ እግዚኣብሄር ልቡ ኣየቕንዔን እሞ፡ ክፉእ ገበረ።
15 እቲ ግብርታት ሮብዓም ግና፡ እቶም ቀዳሞትን እቶም ዳሕሮትን፡ ንሱ ኣብታ ናይ ነብዪ ሸማዕያን ናይ ረኣዪ ዒዶን ዛንታዶ ኸምቲ ኣገባብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፉ ኣየሎን? ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ።
16 ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣቢያ ነገሰ።

 

1 ንንጉስ የሮብዓም ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ኣቢያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።
2 ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ድማ ሚካያ እዩ፡ ንሳ ጓል ኡሪኤል ካብ ጊብዓ እያ። ኣብ መንጎ ኣቢያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ።
3 ኣቢያ ድማ ሰራዊት ተዋጋእቲ ጀጋኑ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ሒዙ ንውግእ ተሰለፈ፡ የሮብዓም ከኣ ንእኡ ብሾብዓተ ሚእቲ ሽህ ሓያላት ጀጋኑ ዝነበሩ ሕሩያት ሰብ ኪዋጋእ ተሰለፈ።
4 ኣቢያ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ዘላ ዂርባ ጸማራዪም ተንሲኡ በለ፡ ኣታ የሮብዓምን ብዘሎኹም እስራኤልን፡ ስምዑኒ፡
5 መንግስቲ እስራኤልስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊት፡ ንእኡን ንደቁን፡ ንዘለኣለም ብናይ ጨው ኪዳን ከም ዝሀቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
6 የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት፡ ግና ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ሸፈተ።
7 ምናምናት፡ ደቂ ብልያል ዝዀኑ ሰባት ድማ ናብኡ ተኣኪቦም ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ከኣ ገና ዘይበሰለ መንእሰይ ከሎ፡ ኪቃወሞም ኣይከኣለን።
8 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም ኣሎ፡ ንስኻትኩም ድማ ዓብዪ ጭፍራ ዄንኩም ኢኹም፡ እቶም የሮብዓም ንኣኻትኩም ንኣማልኽቲ ዘግበሮም ናይ ወርቂ ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ።
9 ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር፡ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን፡ ኣይሰጐጒኩምዎምንዶ፧ ከምቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ህዝብታት ከኣ ባዕላትኩምዶ ንርእስኹም ካህናት ኣይገበርኩምን፧ ንርእሱ ኪቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ ዘበለ፡ ነዞም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ካህኖም ይኸውን።
10 ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሕናውን ኣይሐደግናዮን፡ ንእግዚኣብሄር ዜገልግሉ ካህናት፡ ደቂ ኣሮንን ኣብ ዕዮኦም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣለዉና።
11 ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን ከኣ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእትን ጥዑም መኣዛንኡ ዕጣንን የሕርሩሉ ኣለዉ፡ ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓውን እንጌራ ምርኣይ ይሰርዑሉ፡ ምሸት ምሽት ኬብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዴል ምስ ቀልዒታቱ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናስ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይተሐሎ ዝበሎ ነገረ ንሕሉ ኣሎና፡ ንስኻትኩም ግና ሐዲግኩምዎ ኢኹም።
12 እንሆ ኸኣ፡ ኣምላኽ ምሳና ኣብ ቅድሜና እዩ፡ እቶም ምሳኻትኩም ንምውጋእ ናብ ጭድርታ መለኸት ዚነፍሑ ኻህናቱ ኣለዉና። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኣይኪቐንዓልኩምን እዩ እሞ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ።
13 የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዚኣትዉ ድብቕ ኣዞረሎም እሞ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ነበሩ፡ እቲ ድብቕ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበረ።
14 ይሁዳ ገጾም ምልስ ምስ ኣበሉ ድማ፡ እንሆ፡ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ነበሮም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ጨደሩ፡ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ።
15 ሰብ ይሁዳ ኸኣ ኣውክዑ። ኰነ ድማ፡ በቲ ምውካዕ ሰብ ይሁዳ፡ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣቢያን ይሁዳን ወቖዖም።
16 ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሀደሙ፡ ኣምላኽውን ኣብ ኢዶም ሀቦም።
17 ኣቢያን ህዝቡን ድማ ዓብዪ ስዕረት ሰዐርዎም። ካብ እስራኤል ከኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ስዑራት ወደቑ።
18 ከምኡ እቶም ደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ እቲ ተዋረዱ፡ እቶም ደቂ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ተኣሚኖም እዮም እሞ፡ እናበርትዑ ኸዱ።
19 ኣቢያ ድማ ንየሮብዓም ሰጐጎ፡ ከተማታትውን፡ ቤት – ኤል ምስ ኣቚሻታን የሳና ምስ ኣቚሻታን ዔፍሮን ምስ ኣቚሻታን፡ ወሰደሉ።
20 የሮብዓም፡ ኣቢያ ኽሳዕ ዘሎ፡መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን። እግዚኣብሄር ድማ ቀዘፎ፡ ሞተ ኸኣ።
21 ኣቢያ ግና እናበርትዔ ኸደ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተው ሹድሽተ ኣዋልድን ወለደ።
22 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያ ግብርታትን መገድታቱን ዘረባታቱን ከኣ ኣብ ትርጓሜ ነብዪ ኢዶ ተጽሒፉ ኣሎ።

1 ኣቢያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። በቲ ዘመኑ እታ ሃገር ዓሰርተ ዓመት ዐርፈት።
2 ኣሳ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ገበረ።
3 ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታትውን ቈራረጾ።
4 ንይሁዳ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን ኣዘዞም።
5 ነቲ በረኽትን ምስልታት ጸሓይን ከኣ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ወገደ፡ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ህድእቲ ነበረት።
6 እታ ሃገር ህድእቲ ስለ ዝነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዕረፍቲ ስለ ዝሀቦ፡ በተን ዓመታት እቲኤን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ ዕሩዳት ከተማታት ሰርሔ።
7 ንይሁዳ በሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝደሌናዮስ፡ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜና ኣላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚኤን ንስርሓየን ብመንደቓትን ግምብታትን መዓጹን መሃርሃርን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና እሞ፡ ንሱ ድማ ብዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና አሎ። ንሳቶም ከኣ ሰርሑ፡ ሰለጠሎም ድማ።
8 ኣሳ ኸኣ ዋላቱን ኲናውትን ዚጾሩ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፡ ካብ ብንያምውን ዋላቱ ዚጾሩን ፍላጻ ዚውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ነበርዎ። እዚኣቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።
9 ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኺዋግኦም ወጸ። ናብ ማረሻ ኸኣ መጸ።
10 ኣሳውን ኪገጥመሉ ወጸ እሞ፡ ኣብቲ፡ ለሰ ሸፋታ ናይ ማረሻ ንውግእ ተሰለፉ።
11 ኣሳ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ጐይታየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ እቲ ዘለዎን ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ ዜብሉን ኪረድእ ዚኽእል ብዘይ ንስኻ የልቦን፡ ናባኻ ተጻጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ።
12 እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዐሮም፡ ኢትዮጵያንውን ከኣ ሀደሙ።
13 ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ክሳዕ ግራር ሰጐጒዎም፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱን ተሰባበሩ እሞ፡ ካባታቶም ብህይወቱ ዜምልጥ ክሳዕ ዚሰኣኖም ወደቑ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ድማ ማረኹ።
14 ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ሽብር ኰነ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ግራር ንዘለዋ ዂለን ከተማታት ሰዐርወን። ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ምርኮ ነበረ እሞ፡ ንዂለን እተን ከተማታት ዘመትወን።
15 ድንኳውንቲ ኸብቲ እናፍረሱ ድማ፡ ብዙሓት ጤለ በጊዕን ኣግማልን ዘመቱ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ።

 

1 ንዓዛርያ ወዲ ዖዴድ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጾ።
2 ኣብ ቅድሚ ኣሳ ወጺኡ ድማ በሎ፡ ኣታ ኣሳን ብዘሎኹም ይሁዳን ብንያምን፡ ስምዑኒ፡ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እንተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ሓደግኩምዎ ግና፡ ንሱ ኸኣ ክሓድገኩም እዩ።
3 እስራኤልስ ነዊሕ ዘመን ብዘይ ኣምላኽ ሓቅን ብዘይ መሃሪ ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ።
4 ብጸበባኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ግና፡ ይርከበሎም ነበረ።
5 ኣብተን ሃገራት እቲኤን ንዚቕመጡ ዝነበሩ ዂሎም ብዙሕ ዕግርግር ነበረ እሞ፡ በተን ግዝያት እቲኤን ንዚመጽእ ኰነ ንዚኣቱ ሰላም ኣይነበረን።
6 ኣምላኽ ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጸበባ የዕገርግሮም ነበረ እሞ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ከተማ ምስ ከተማ ንሓድሕዶም ተሳባበሩ።
7 ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ኪብላ ኣይትሕደጉ።
8 ኣሳ ድማ እዚ ቓላት እዝን ናይቲ ነብዪ ዖዴድ ትንቢትን ምስ ሰምዔ፡ ተብዔ እሞ ካብ ኲላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ከረን ኤፍሬም ዝሐዘን ከተማታትን ጽያፍ ዘበለ ወገደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከኣ ኣሐደሶ።
9 ድማ ንብዘለዉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መጺኦም ምሳታቶም ዚነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ኸም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ካብ እስራኤል ብዙሓት ናብኡ ተጸግዑ።
10 ሽዑ ንሳቶም ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ካብቲ ዘምጽእዎ ምርኮ ሾብዓተ ሚእቲ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
12 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኪደልይዎስ ቃል ኪዳን ኣተዉ።
13 ድማ ንእሽቶ ዀነ ወይስ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይስ ሰበይቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘይደለዮ ዘበለ ዂሉ ይሙት።
14 ንእግዚኣብሄር ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺን እልልታን ብመለኸትን እምብልታን መሐሉሉ።
15 ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዘላ ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሐጐሰት፡ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ደለይዎ፡ ንሱውን ተረኽበሎም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሀቦም።
16 ንማዓካ ኣደ ንጉስ ኣሳ ድማ ናይ ኣስታርተ ጽዩፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት፡ ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ኸኣ ነቲ ምስሊ ቘሪጹን ጨፍሊቑን ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ።
17 እቲ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣይተወገደን። ግናኸ ልቢ ኣሳ ምሉእ ዘመኑ ፍጹም ነበረ።
18 ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ከኣ ናብ ቤት ኣምላኽ ኣእተዎ።
19 ክሳዕ መበል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ ኸኣ ውግእ ኣይነበረን።

 

1 ንመንግስቲ ኣሳ ኣብ መበል ሰላሳን ሹድሽተን ዓመቱ ባዔሻ ንጉስ እስራኤል ናብ ይሁዳ ደዪቡ፡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ገለ ኸይወጽእን ከይኣቱን ምእንቲ ኪኽልክል፡ ንራማ ሰርሓ።
2 ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዛአብሄርን ቤት ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዚነብር ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸምዚ ኢሉ ሰደደሉ፡
3 ኣብ መንጐ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ኪድ ነቲ ምስ ባዔሻ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ።
4 ቤን – ሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ሓላቑ ሰራዊቱ ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ፡ ንዕዮንን ንዳንን ንኣቤል – ማይምን ንዂለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ሰዐረን።
5 ኰነ ኸኣ፡ ባዔሻ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንራማ ምስርሓ ሐደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ።
6 ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንብዘላ ይሁዳ ወሲዱ ነቲ ባዔሽ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ናይ ራማ ኣእማንን ኣዕጫውን ኣልዐሎ እሞ፡ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን ንሚጽጳን ሰርሔን።
7 በቲ ጊዜ እቲኣ ሃናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ በሎ፡ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ እተመርኰስካ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላካ ግና ስለ ዘይተመርኰስካ። ስለዚ እቲ ሰርዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ መለቘ።
8 ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላትትን ፈረሰኛታትን ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን? ኣብ እግዚኣብሄር ስለ እተመርኰስካ ግና፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሀበካ።
9 ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ። በዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፡ ስለዚ ድማ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪለዐለካ እዩ።
10 በዚ ነገር እዚ ግና ኣሳ ተናደደ እሞ ነቲ ረኣዪ ዀረየሉ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣእተዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም።
11 እንሆ ድማ፡ ግብርታት ኣሳ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ።
12 ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሐመመ፡ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን።
13 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ፡ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደ ዓመት መንግስቱ ሞተ።
14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንርእሱ ዘውቀሮ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ብብልሓት ገባር ሽቱ እተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን በበይኑ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልኤት ዓራት ድማ ኣንበርዎ፡ ዓብዪ ምሕራር ከኣ ኣሕረሩሉ።

 

1 ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ። ንእስራኤልውን በርትዖም።
2 ኣብ ኲለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ወትሃደራት፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሐዘን ከተማታት ኤፍሬምን ሓለውቲ ኣቐመጠ።
3 ዮሳፋጥ ድማ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ይኸይድ ነበረ፡ ነቶም በዓላት ከኣ ኣይደለዮምን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ።
4 ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡ ብትእዛዛቱ ኸኣ ከደ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይከደን።
5 ስለዚ እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፡ ብዘለዉ ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ሀብዎ፡ ሃብትን ክብረትን ከኣ በዝሓሉ፡
6 ልቡ ብመገድታት እግዚኣብሄር ምስ ተብዔ፡ ነቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ከኣ ካብ ይሁዳ ኣርሐቖ።
7 ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ንመኳንንቱ፡ ቤት – ሓዪልን ዖባድያን ዘካርያስን ንታንኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም።
8 ምሳታቶም ድማ ነቶም ሌዋውያን፡ ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ – ኣዶንያን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካህናት፡ ኤሊሻማዕን ዮራምን፡ ሰደደ።
9 መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም ድማ ኣብ ይሁዳ መሀሩ፡ ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ ነቲ ህዝቢ ይምህሩ ነበሩ።
10 ኣብ ልዕሊ ዂለን መንግስትታት ኣብተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኰነ እሞ፡ ምስ ዮሳፍጥ ኣይተዋግኡን።
11 ካብቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ገሊኦም ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ፡ ብሩርውን ገበሩሉ፡ ዓረባውያን ድማ ጤለ በጊዕ፡ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን ድዑል፡ ሾብዓተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ከኣ ምኩት ኣምጽኡሉ።
12 ዮሳፋጥ ከኣ ኣዝዩ ልዕል ክሳዕ ዚብል እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ከተማታት መዛግብትን ሰርሔ።
13 ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ብዙሕ ዕዮታት ነበሮ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ተዋጋእቲ ሰባት፡ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ።
14 ቊጽሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከኣ እዚ እዩ፡ ናይ ይሁዳ ሓላቑ ኣሽሓት፡ ዓድና እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡
15 ድሕሪኡ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡውን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ፡
16 ድሕሪኡ ድማ እቲ ርእሱ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈየ ኣማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ኸኣ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡
17 ካብ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡውን ቀስትን ዋልታን ዝሐዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ፡
18 ድሕሪኡ ድማ ዮዛባድ፡ ምስኡ ኸኣ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ንውግእ እተዳለዉ፡
19 ብዘይ እቶም እቲ ንጉስ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ነቲ ንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።

 

1 ዮሳፋጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ። ምስ ኣከኣብ ከኣ ተዋሰበ።
2 ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ናብ ኣከኣብ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣከኣብ ድማ ንእኡን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣላሕምን ሓረደሎም። ናብ ራሞት፦ጊልዓድ ምስኡ ኺድይብ ከኣ ሓባበሎ።
3 ሽዑ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፣ ናብ ርሞት፦ጊልዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፣ ኣነ ኽማኻ እየ፣ ህዝበይ ከኣ ከም ህዝብኻ እዩ፣ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ እኸይድ፣ በሎ።
4 ዮሳፋጥ ግና ንንጉስ እስራኤል፣ በጃኻ፣ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ደኣ ሕተት፣ በሎ።
5 ሽዑ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት፣ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ፣ ኣኪቡ፣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይስ ክተርፍ? በሎም። ንሳቶም ከኣ፣ ደይብ ደኣ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፣ በሉ።
6 ዮሳፋጥ ከኣ፤ ገናዶ እንሓቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ አልቦን፧ በለ።
7 ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሓቶ ገና ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ሚክያስ ወዲ ዪምታ እዩ። ግናኸ ንሱ ንኣይ ኵሉሳዕ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣንበየለይን እዩ አሞ፡ ኣነ እጸልኦ እየ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ግና፣ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፡ በለ።
8 ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑ፣ ንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ፡ በለ።
9 እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ዘዝፋኖም ተቐመጡ፣ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ።
10 ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፣ እግዚኣብሄር፣ ንሶርያዉያን ክሳዕ ዚውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ፣ ይብል ኣሎ፣ በሎ።
11 ኵሎም ነብያት ድማ ከምኡ፣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፣ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፣ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።
12 እቲ ንሚክያስ ኪጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፣ እንሆ፣ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ፣ ዘረባኻ ድማ፣ በጃኻ፣ ከም ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ ጽቡቕ ተዛረብ፣ ኢሉ ተዛረቦ።
13 ሚክያስ ግና፣ እቲ ኣምላኸይ ዚብሎ ንእኡ ኸም ዝዛረቦ፣ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፣ በሎ።
14 ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ፣ እቲ ንጉስ፣ ኣታ ሚክያስ፣ ንራሞት ጊልዓድ ኬድናዶ ኽንዎጋእ ወይስ ክተርፍ፧ በሎ። ብሱ ኸኣ፣ ደይብ፣ ኪቐንዓካ ድማ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ኪወሀቡ እዩም፣ መሎ።
15 እቲ ንጉስ ድማ፣ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፣ ካልእ ከይትዛረበኒ፣ ኣነ ክንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ? በሎ።
16 ንሱ ኸኣ በለ፣ ንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኤኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ፣ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፣ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ፣ በለ።
17 እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፣ እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፣ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻን? በሎ።
18 ሚክያስ ድማ በለ፣ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ብዘሎ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ብየማኑን ብጸጋሙን ቈይሞም ርኤኹ።
19 እግዚኣብሄር ድማ፣ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ኣብኣ ኺወድቕሲ፣ መን ይሓባብሎ? በለ። ሽዑ ሓደ ከምዚ በለ፣ ሓደ ድማ ከምቲ በለ።
20 ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣሄር ደው ኢሉ ድማ፣ ኣነ ኽሓባብሎ፣ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ብምንታይ ጌርካ? በሎ።
21 ንሱ ድማ፣ ወጺኤ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፣ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ንስኻስ ትሓባብሎ ኢኻ፣ ትኽእሎ ድማ፣ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፣ በሎ።
22 ሕጂ ድማ፣ እንሆ፣ ኣብ ኣፍ እዞም ነብያትካ እዚቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ።
23 ሽዑ ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምዕጉርቱ ጸፍዖ እሞ፣ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንዓኻ ኺዛረብ በየናይ መገዲ እዩ ኻባይ ዝሓለፈ? በሎ።
24 ሚክያስ ከኣ፣ እንሆልካ፣ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ ክትርኢ ኢኻ፣ በለ።
25 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለ፣ ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለስዎ፣
26 በሉ ኸኣ፣ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፣ ነዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፣ እንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ።
27 ሚክያስ ድማ መለሰሉ፣ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፣ እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝብታት፣ ኵላትኩም ስምዑ፣ ከኣ በለ።
28 ከምኡ ኸኣ እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።
29 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፤ ኣነ ኽዳውንተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፡ ንስኻ ግና ክዳውንትኻ ተኸደን፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ክዳውንቱ ለዊጡ ናብቲ ውግእ ኣተወ።
30 እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ንሓላቑ ሰረገላታቱ፣ ንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፣ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ፣ ኢሉ ኣዘዞም።
31 ኰነ ድማ፣ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፣ ንሱ ንጉስ እስራኤል እዩ፣ በሉ፣ ኪዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ዞሩ። ዮሳፋጥ ግና ጨርሔ፣ እግዚኣብሄር ድማ ረድኦ፣ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ኣግለሶም፣
32 ኰነ ድማ፣ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረኣዩ፣ ካብ ምስጓጉ ተምልሱ።
33 ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፣ ነቲ ንጉስ እስራኤል በታ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላ፣ ተወጊኤ እየ እሞ፣ ኢድካ ምለሳ፣ ካብዛ ሰልፊ ኣውጽኣኒ፣ በሎ።
34 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዔ፣ እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኰይኑ ኽሳዕ ምሸት ኣብቲ ሰረገላ ደው ኢሉ ነበረ። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ ሞተ።

 

1 ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ግና ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።
2 እቲ ረኣዪ የሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኪራኸቦ ወጸ። ንንጉስ ዮሳፋጥ ድማ በሎ፡ ንረሲእዶ ኽትሕግዞ፡ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚጸልእዎኸ ኽትፈትዎም ኢኻ? በዚ ነገር እዚ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኲራ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
3 ግናኸ ካብዛ ሃገር እዚኣ ንኣስታርተታት ኣርሐቕካ፡ ንልብኻውን ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስካዮ ኢኻ እሞ፡ ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ።
4 ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፡ መሊሱ ኸኣ ካብ ብኤር – ሸባዕ ሒዙ ኽሳዕ ከረን ኤፍሬም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከኣ መለሶም።
5 ኣብታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኩለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ፡ ኣብ ከተማ ፈረድቲ ኣቐመጠ።
6 ነቶም ፈረድቲውን በሎም፡ ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ፡ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ።
7 እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።
8 ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብናይ እግዚኣብሄር ፍርድን ኣብ ባእስን ኪፈርዱ፡ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን ካብቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሾመ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ።
9 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ከምዚ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብእምነትን ብፍጹም ልብን ዕየዩ።
10 ካብቶም ኣብ ከተማታቶም ዚነብሩ ኣሕዋትኩም ብዚመጸኩም ዘበለ ነገር ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፡ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን መዓት ከይመጽእ፡ ብናይ ደምን ደምን፡ ብናይ ሕግን ትእዛዝን ስርዓታትን ፍርድታትን ምዐድዎም። ከምኡ ግበሩ እሞ በደልቲ ኣይክትኰኑን ኢኹም።
11 እንሆ ድማ፡ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘበለ ዂሉ ነገር እቲ ሊቀ ኻህናት ኣማርያ፡ በቲ ናይ ንጉስ ዘበለ ዂሉ ነገርውን እቲ መስፍን ቤት ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ኣለዉ። ጽኑዓት ኩኑ ግበርዎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባር ጽቡቕ ይኹን።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ እዚ ደቂ ሞኣብን ደቂ ዓሞንን፡ ምሳታቶም ድማ ካብቶም ዓሞናውያንን ንዮሳፋጥ ኪወግእዎ መጹ።
2 ዮሳፋጥ ከምዚ ኢሎም ዚነግርዎ ሰብ ከኣ መጹ፡ ካብ ማዕዶ ባሕሪ ኻብ ሶርያ ብዙሕ ሰራዊት ይመጸካ ኣሎ፡ እነዉ ድማ፡ ኣብ ሓጸጾን – ታማር ኣለዉ፡ – ንሳዔን – ገዲ እያ።
3 ሽዑ ዮሳፋጥ ፈርሄ እሞ ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ገጹ መለሰ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳውን ጾም አወጀ።
4 ይሁዳ ኸኣ ረዲኤት ካብ እግዚኣብሄር ኪደሊ ተኣከበ፡ እወ፡ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ መጹ።
5 ዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበር፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ፡
6 በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ? እቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ? ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።
7 ዎ ኣምላኽና፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዘባረርካዮም፡ ንእኣ ኸኣ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሀብካዮም ንስኻዶ ኣይኰንካ?
8 ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፡ ኣብኣውን ንስምካ መቕደስ ሰርሑ። ከምዚ ኸኣ በሉ፡
9 ኣብ ልዕሌና ኽፉእ እንተ መጸ፡ ሴፍ፡ፍርዲ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣን ኣብ ቅድሜኻን ደው ክንብል ኢና፡ ስምክስ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና። ንስኻ ኸኣ ሰሚዕካ ኸተድሕን ኢኻ።
10 ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ከረን ሰዒርን፡ ንእስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብኣታቶም ኪኣትዉ ዘይፈቐድካሎም፡ ንሳቶም ግና ካብኦም ዘይሮም ዘየጥፍእዎም፡
11 እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስቴኻና ርስትኻ ኼውጽኡና ብምምጻኦም ከመይ ዝበለ ውሬታ ይመልሱልና ኣለዉ።
12 ዎ ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ? ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ።
13 ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ።
14 ሽዑ ኣብ ማእከል እታ ማሕበር ናብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ፡ ወዲ በናያ፡ ወዲ የዒኤል፡ ወዲ ማታንያ፡ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ።
15 ንሱ ድማ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኲላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውን፡ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይፍርሁን ኣይትሸበሩን።
16 ጽባሕ ውረድዎም፡ እንሆ፡ በቲ ዓቐበት ጺጽ ይድይቡ ኣለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በረኻ የሩኤል፡ ኣብ ወሰን እቲ ለሰ ድማ ክትረኽብዎም ኢኹም።
17 ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርኣዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ዉጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።
18 ሽዑ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ፡ ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኪሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብገጾም ተደፍኡ።
19 እቶም ሌዋውያን ካብ ደቂ ቀሃታውያንን ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኼመስግንዎ ተንስኡ።
20 ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ናብቲ በረኻ ተቆዓ ወጹ። ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ዮሳፋጥ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ስምዑኒ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ኪቐንዓኩም እዩ።
21 ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዚዝምሩንቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቀቅድሚ ሰራዊት ኪወጹ ኸለዉ፡ ዜመስግንዎን ሰባት ኣቘመ፡ ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኺብሉ እዮም፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
22 ኪዝምሩን ኪውድሱን ምስ ጀመሩ ኸኣ ነቶም ናይ ይሁዳ ኢሎም ዝመጹ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ነቶም ናይ ከረን ሰዒርን እግዚኣብሄር ድቡቓት ኣምጽኣሎም እሞ፡ ተሳዕሩ።
23 እቶም ደቂ ዓሞንን ሞኣብንሲ ነቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዚነብሩ ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን ተንስኡ፡ ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ምስ ወድእዎም ድማ፡ ንሓድሕዶም ኪጣፋፍኡ ተሓጋገዙ።
24 ይሁዳ ድማ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዔኛ ምስ መጹ፡ ገጾም ናብቲ ጭፍራ ኣበሉ፡ እንሆ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይመለቘ ናብ ምድሪ ዝወደቑ ሬሳታት ኰኑ።
25 ዮሳፋጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ኪገፉ ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፡ ገንዘብን ክቡር ኣቓሑን፡ ረኸቡ፡ ምጽዋሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ንርእሶም ሐፈሱ፡ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኺገፍዎ ወዐሉ።
26 በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በራካ ተኣከቡ፡ ኣብኣ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ፡ ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በራካ ኢሎም ይሰምይዋ ኣለዉ።
27 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብቶም ጸላእቶም ኣሐጒስዎም ነበረ እሞ፡ ናብ የሩሳሌም ብሓጐስ ኪምለሱስ፡ ኲሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ዮሳፋጥ ቀቅድሚኦም እናኸደ፡ ተመልሱ።
28 ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ።
29 ኲሎም መንግስትታት ሃገራት ድማ ነቶም ጸላእቲ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከም ዝወግኦም ምስ ሰምዑ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ኰነ።
30 መንግስቲ ዮሳፋጥ ከኣ ሀድኤት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሀቦ።
31 ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ።
32 ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን።
33 ግናኸ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፡ እቶም ህዝቢውን ገና ልቦም ናብ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየቕንዑን ነበሩ።
34 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ግብሪ፡ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ኣብ ዩ ወዲ ሓናኒ ተጸሒፉ ኣሎ።
35 ድሕርዚ ግና ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ረሲእነት ዝግብሩ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ።
36 ንተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሑ ምስኡ ሐበረ። ኣብ ዔጽዮን – ጋበር ከኣ መራኽብ ሰርሑ።
37 ሽዑ ኤሊዔዘር፡ ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዮሳፋጥ፡ ምስ ኣሓዝያ ሰለ ዝሐበርካ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ስራሕካ ኼፍርሶ እዩ፡ ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከኣ ተሰብራ እሞ፡ ንተርሲስ ኪኸዳ ኣይከኣላን።

 

1 ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ።
2 ኣሕዋት ከኣ ደቂ ዮሳፋጥ ነበርዎ፡ ዓዛርያን የሒኤልን ዘካርያስን ዓዛርያሁን ሚካኤልን ሸፋጥያን፡ እዚኣብቶም ኲሎም ደቂ ዮሳፋጥ ንጉስ እስራኤል ነበሩ።
3 ኣቦኦም ድማ ብዙሕ ህያባት፡ ብሩርን ወርቅን ክቡር ዘበለ ነገርን ምስተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ሀቦም፡ ንዮራም ግና፡ ንሱ በዂሪ ነበረ እሞ፡ እታ መንግስቲ ንእኡ ሀቦ።
4 ዮራም ከኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ጸንዔ፡ ንዂሎም ኣሕዋቱን ንገሊኦም ካብ ሓላቑ እስራኤልን ብሴፍ ቀተሎም።
5 ዮራም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ።
6 ግናኸ፡ ሰበይቱ ጓል ኣከኣብ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡ ብመገዲ ነግስታት እስራኤል ከደ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
7 እግዚኣብሄር ግና፡ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኺህቦም ዝበለን፡ ነታ ቤት ዳዊት ኬጽንታ ኣይፈተወን።
8 ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለዉ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ፡
9 ሽዑ ዮራም ምስ ሓላቑኡ፡ ኵለን ሰረገላኡ ኸኣ ምስኡ፡ ናብኡ ሐለፈ፡ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ነቶም ካቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረርገላታትን ወቕዖም።
10 ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሐደጎ፡ ሊብናውን በቲ ጊዜ እቲ ኻብ ትሕቲ ኢዱ ዐለወት።
11 ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ በረኽቲ ሰርሔ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም እተቐመጡ ኸኣ ኣመንዘሮም፡ ንይሁዳውን ኣስሐቶም።
12 ግናኸ ካብ ነብዪ ኤልያስ ከምዚ እትብል ጽሕፈት መጸቶ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ብመገዲ ኣቦኻ ዮሳፋጥን ብመገዲ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ስለ ዘይከድካ፡
13 ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ግና ስለ እተመላለስካ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ስለ ዘመንዘርካዮም፡ ነቶም ናይ ቤት ኣቦኻ ኻባኻ ዚሔሹ ዝነበሩ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፡
14 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንብዘሎ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕዘፍቲ ኪቐዝፎም እዩ።
15 ንስኻ ድማ ኣምዑትካ ብምኽንያት ሕማም በብጊዜኡ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብ ኣምዑትካ ብርቱዕ ሕማም ክትሐምም ኢኻ።
16 እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን እቶም ኣብ መንጽር ኢትዮጵያ ዚነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ዮራም ኣተንስኤ።
17 ናብ ይሁዳ ደዪቦም ኣተውዋ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ንተረኽበ ዂሉ ገንዘብ በዝበዙ፡ ደቁን ኣንስቱውን ወሰዱ፡ ብዘይ ዮኣስ፡ እቲ ኻብቶም ደቁ ዝነኣሰ፡ ገለ ወዲ ኣይተረፎን።
18 ድሕርዚ ዂሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኣምዑቱ ብዘይፍወስ ሕማም ወቕዖ።
19 ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ኢሉ ጊዜ ሐለፈ፡ ክልተ ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ኣማዑቱ ብምኽንያት ሕማሙ ወጸ፡ ብብርቱዕ ቃንዛ ድማ ሞተ። ህዝቡ ኸኣ፡ ከምቲ ምሕራር ኣቦታቱ፡ ምሕራር ኣይገበሩሉን።
20 ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ። ሓደ እኳ ኸይደለዮ ኸደ። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፡ ግናኸ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣይኰነን።

 

1 ኣብ ክንዳኡ ድማ እቶም ደቂ የሩሳሌም ነቲ ንእሽቶ ወዱ ኣሓዝያ ኣንገስዎ። እዚ ኸኣ ንዂሎም እቶም ዓበይቲ እቲ ምስ ዓረባውያን ናብቲ ሰፈር ዝመጸ ጭፍራ ስለ ዝቐተሎም እዩ። ከምዚ ኢሉ ኣሓዝያ፡ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።
2 ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሓንቲ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ እያ።
3 ኣዲኡ ረሲእነት ንምግባር መኻሪቱ ነበረት እሞ፡ ንሱ ድማ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ከደ።
4 ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ንሳቶም እዮም ንጥፍኣቱ መኸርቱ ዝነበሩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከም ቤት ኣከኣብ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
5 በቲ ምኽሮም ከይዱ ድማ ምስ ዮርም ወዲ ኣከኣብ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ንሃዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት – ጊልዓድ ኪዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ።
6 ሽዑ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቚስሉ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወሳ ተመልሰ። ኣዛርያ ወዲ ዮኡራም ንጉስ ይሁዳ፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሐሚሙ ነበረ እሞ፡ ኣብ ይዝርኤል ኪርእዮ ወረደ።
7 ግናኸ እቲ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምምጻኡ ንጥፍኣቱ ኻብ ኣምላኽ እዩ ዝነበረ። ናብኡ ምስ መጸ፡ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ኬጽንታ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ የሁ ወዲ ኒምሺ ኪቕበሎ ምስ ዮራም ወጸ።
8 ኰነ ኸኣ፡ የሁ ነቲ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኼውርደላ ኸሎ፡ ነቶም ሓላቑ ይሁዳን ነቶም ንኣሓዝያ ዜገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱ ንኣሓዝያን ረኸቦም እሞ ቀተሎም።
9 ንኣሓዝያ ኸኣ ደለዮ እሞ፡ ኣብ ሰማርያ ተሐብኡ ኸሎ፡ ሒዞም ናብ የሁ ኣምጽእዎ ቐተልዎ ኸኣ፡ ንሳቶምውን፡ ንሱስ ወዲ እቲ ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ዝደለዮ ዮሳፋጥ እዩ፡ ኢሎም ቀበርዎ። ድሕርዚ ኻብ ቤት ኣሓዝያ ነታ መንግስቲ ኺሕዛ ዝኸኣለ የልቦን።
10 ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ብዝረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍኤት።
11 ግናኸ ንሆወብዓት ጓል ንጉስ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ ወሲዳ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰረቐቶ፡ ንእኡ ምስ መጒዚቱ ኸኣ ናብ ሕልፍኚ ዓራ ኣእተወቶ። ከምኡ የሆወብዓት ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሰበይቲ ኻህን ዮያዳ፡ – ንሳ ሓብቲ ኣሓዝያ እያ፡ ካብ ቅድሚ ዓታልያ ሐብኣቶ እሞ፡ ዓታልያ ኣይቀተለቶን።
12 ንሱ ድማ ሹድሽተ ዓመት ምሳታቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ተሐብኤ። ዓታልያ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት።

 

1 በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ዮያዳ ተብዔ እሞ፡ ነቶም ሓላቑ ሚእቲ፡ ንዓዛርያ ወዲ የሮሓምን እስማዔል ወዲ ዮሓናንን ዓዛርያ ወዲ ዖቤድን ማዓስያ ወዲ ዓዳያን ኤሊሻፋጥ ወዲ ዚኽሪን፡ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣእተዎም።
2 ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ።
3 ብዘሎ ማሕበር ድማ ምስቲ ንጉስ ኣብታ ቤት ኣምላኽ ኪዳን ኣተወ። ዮያዳ ኸኣ በሎም፡ እንሆ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት እተዛረቦ፡ ወዲ ንጉስ ይንገስ።
4 እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ ኣቱም ብሰንበት እትኣትዉ፡ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶኹም ሓለውቲ ደጌታት ይኹኑ።
5 ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ ንጉስ፡ ሲሶውን ኣብ ደገ ኣጻድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን።
6 ግናኸ ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዜገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፡ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ፡ ይእተዉ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ግና ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሐልዎ።
7 እቶም ሌዋውያን ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዚኣቱ ዘበለ ኸኣ ይሙት። እቲ ንጉስ ኪኣቱን ኪወጽእን ከሎ ድማ ምስኡ ኹኑ።
8 እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ነቶም ክፍልታት ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፡ እቶም ሌዋውያንን ብዘለዉ ይሁዳን ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝኣዘዞም ኲሉ ገበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ዚኣትው ምስቶም ብሰንበት ዚወጹ ገይሮም፡ ሰሰቦም ይወስድዎም ነበሩ።
9 ካህን ዮያዳ ድማ እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝጸንሔ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን በብዓይነቱ ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሀቦም።
10 ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት ጀሚሩ ኽሳዕ ጸጋማይ ወገን እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቘሞም።
11 ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮያዳን ደቁን ከኣ ቀብእዎ እሞ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ።
12 ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ነቲ ንጉስ እናጐየዩ ዚውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዔት፡ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት።
13 እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ዓንዱ ደው ኢሉ፡ እቶም ሓላቑን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከኣ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሐጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርያ ሙዚክ ነቲ መዝሙር ምስጋና መርሑ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ ዕልወት እዩ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨርሔት።
14 እቲ ኻህን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዚመርሑ ሓላቑ ሚእቲ ኣውጺኡ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋ፡ ንዚስዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎ፡ በሎም።
15 ኣግልስ ኣቢሎም ኣሕለፍዋ እሞ፡ ናብታ ናብ ቤተ ንጉስ እተእቱ ደገ ኣፍራስ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ።
16 ዮያዳ ድማ፡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኪዀኑ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ ርእሱን ኣብ መንጎ ብዘሎ ህዝብን ንንጉስ ኪዳን ኣቘመ።
17 ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዋ፡ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሐረድዎ።
18 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዖ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብሓጐስን ብመዝሙርን ዚሐርር መስዋእቲ እግዚኣብሄር ኬዕርጉ ንዝመደቦም ካህናት፡ ሌዋውያን፡ ዮያዳ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበሮም።
19 ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ኣብተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ነቶም ሓለውቲ ኣቘሞም።
20 ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ክቡራትን ነቶም ናይ ህዝቢ ስልጡናትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰዶም፡ ነቲ ንጉስ ድማ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፡በታ ላዕለይቲ ደገ ናብ ቤተ ንጉስ ኣትዮም ከኣ፡ ነቲ ንጉስ ኣብቲ ዝፋን መንግስቲ ኣቐመጥዎ።
21 ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሐጐሱ፡ እታ ኸተማውን ሀድኤት። ንዓታልያ ግና ብሴፍ ቀቲሎምዋ ነበሩ።

 

1 ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር – ሸባዕ እያ።
2 ዮኣስ ከኣ ብዂሉ ዘመን እቲ ኻህን ዮያዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ።
3 ዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።
4 ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኪሕድሳ ሐሰበ።
5 ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ፡ ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዚኸውን ገንዘብ ካብ ብዘሎ እስራኤል ኣክቡ፡ በዚ ነገር እዚ ኸኣ ቐልጥፉ፡ በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ኣይቀልጠፉን።
6 ሽዑ እቲ ንጉስ ንሊቀ ኻህናት ዮያዳ ጸዊዑ በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንማሕበር እስራኤል ዝሐገገላ ግብሪ ድንኳን ምስክር ካብ ይሁዳን ካብ የሩሳሌምን ኬምጽኡ ዘይገደድካዮም?
7 ነታ ቤት ኣምላኽስ፡ ደቂ ዓታልያ፡ እታ ረሲእ ሰበይቲ፡ ኣበላሽዮምዋ እዮም፡ እቲ ንቤት እግዚኣብሄር እተቐደሰ ዘበለ ዂሉ ድማ ንበዓላት ገይሮምዎ እዮም።
8 እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ እሞ፡ ሓደ ሳጹን ገይሮም ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ኣቐመጥዎ።
9 ድማ እቲ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ በረኻ ዝሐገገሎም ግብሪ ናብ እግዚኣብሄር ኬእትዎ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ኣወጁ።
10 ኲሎም ሓላቑን ብዘለዉ ህዝብን ከኣ ተሐጒሶም ገንዘብ ኣምጽኡ እሞ ኽሳዕ ዚውዳእ ናብቲ ሳጹን ኣእተውዎ።
11 ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ሳጹን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብቶም ቈጸርቲ ንጉስ ዜምጽኡሉ ጊዜ ምስ በጽሔት፡ ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ኻህናት ቈጻርን መጹ፡ ነቲ ሳጹን ገልቢጦም ከኣ ናብ ቦታኡ መለስዎ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ገበሩ እሞ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ።
12 ንጉስ ዮያዳን ድማ እዚ ነቶም ነቲ ዕዮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ ሀብዎም። ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ወቐርትን ጸረብትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዓብየይቲ ሓጺንን ኣስራዝን ተወዓዐሉሉ።
13 እቶም ዓየይቲ ኸኣ ይዐዩ ነበሩ፡ እቲ ዕዮ ድማ ብኢዶም እናወሰኸ ሰልጠነ እሞ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣጽንዕዋ።
14 ምስ ወድኡ ኸኣ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ቅድሚ ንጉስን ዮያዳን ኣምጽእዎ፡ ካብኡ ድማ ኣቓሑ ንቤት እግዚኣብሄር፡ ኣቓሑ ንኣገልግሎትን ንዚሐርር መስዋእትን፡ ማናኩን ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮያዳ ኽሳዕ ዘሎ ኸኣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኲሉጊዜ ዚሐርር መስዋእቲ የዕርጉ ነበሩ።
15 ዮያዳ ግና ሸምገለ፡ ዕድመ ጸጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኺመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።
16 ኣብ እስራኤል ንኣምላኽ ነታ ቤቱን ጽቡቕ ሰል ዝገበረሎም ድማ፡ ምስቶም ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።
17 ድሕሪ ሞት ዮያዳ ግና እቶም ሓላቑ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ፍግም በሉሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም።
18 ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎም ድማ ንኣስታርቴታትን ጣኦታትን ኣገልገሉ። በዚ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቊጥዓ መጸ።
19 ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼምልስዎም ድማ፡ ንሱ ነብያት ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ይገንሕዎም ነበሩ፡ ግናኸ ኣይሰምዕዎን።
20 ዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮያዳ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰ እሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣምላኽ ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዘፍረስኩም? ሰናይ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሐደግኩምዎ፡ ንሱ ኸኣ ሐዲጉኩም እዩ።
21ሽዑ ንእኡ ተማሓሐሉሉ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ድማ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።
22 ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ ዮያዳ ዝገበረሉ ምሕረት ኣይዘከሮን፡ ነቲ ወዱ ደኣ ቐተሎ። ንሱ ግና ኪመውት ከሎ፡ ነዝስ እግዚኣብሄር ይርእዮ ይድለዮውን በለ።
23 ኰነ ድማ፡ እታ ዓመት ምስ ሐለፈት፡ ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ደየበ እሞ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣትዮም ንብዘለዉ ሓላቑ ህዝቢ ኻብቲ ህዝቢ ኣጥፍእዎም። ንዂሉ እቲ ምርኮኦም ከኣ ናብቲ ንጉስ ኣብ ደማስቆ ሰደድዎ።
24 እቲ ሰራዊት ሶርያ ምስ ሒዶት ጭፍራ ሰብ መጸ። እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎምዎ ስለ ዝነበሩ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ብዙሕ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ሀቦም። ነቲ ፍርዲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዮኣስ ኣውረድዎ።
25 እዚኣቶም ካብኡ ምስ ከዱ ኸኣ፡ – ንሱ ኣዝዩ ሐሚሙ ኸሎ ሐዲጎምዎ ነበሩ፡ – ገላውኡ ብምኽንያት ደም ደቂ ኻህን ዮያዳ ተማሓሐሉሉ፡ ኣብታ ዓራቱ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ፡ ግናኸ ኣብ መቓብራት ነግስታት ኣይቀበርዎን።
26 እቶም እተማሓሐሉሉ ድማ ዛባድ፡ ወዲ ሺምዓት ዓሞናዊትን ዮዛባድ፡ ወዲ ሺምሪት ሞኣባዊትን እዮም።
27 ብናይ ደቁን ብናይ ብዝሒ እቲ እተጻዕነሉ ግብርን ብናይ ምሕዳስ ቤት ኣምላኽን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ትርጓሜ መጽሓፍ ነገስታት ተጽሒፉ አሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።

 

1 ኣማስያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
2 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ግናኸ ብምሉእ ልቡ ኣይኰነን።
3 ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።
4 ግናኸ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ብሰሪ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።
5 ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደው ኣበሎም፡ ንብዘላ ይሁዳን ብንያምን መምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ከኣ ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘጸሮም፡ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ዚወጹ ዘበሉ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ከም ዝዀኑ ረኸቦም።
6 ብሚእቲ ታለንት ብሩር ገይሩ፡ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ።
7 ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ናብኡ መጺኡ በሎ፡ ዎ ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል፡ ምስ ብዘለዉ ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ።
8 ክትከይድ እንተ ደሌኻ ግና፡ ኪድ። ኣብ ውግእ በርትዕ። ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእቲ ኼውድቐካ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ንምርዳእ ኰነ ወይ ንምጥፍእ ስልጣን ኣለዎ።
9 ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በቲ ንጭፍራ እስራኤል ዝሀብክዎም ሚእቲ ታለንትኸ እንታይ ይገበር? በሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ካብኡ ዚበዝሕ እግዚኣብሄር ኪህበካ ይኽእል እዩ፡ በለ።
10 ሽዑ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ጭፍራ ናብ ስፍራኦም ኪኸዱ ፈለዮም። ግናኸ ቊጥዓኦም ኣብ ይሁዳ ኣዝዩ ተናደደ፡ ብእተናደደ ቚጥዓ ኸኣ ናብ ስፍራኦም ተመልሱ።
11 ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንህዝቡ ኣውጽኤ፡ ናብ ለሰ ጨው ከይዱ ኸኣ፡ ካብ ደቂ ሰዒር ዓሰርተ ሽሕ ወቕዔ።
12 እቶም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ብህይወቶም ሒዞም፡ ናብ ርእሲ ሓንቲ ኸውሒ ኣደየብዎም፡ ካብ ርእሲ እታ ኸውሒ ድማ ንቚልቁል ኣጽደፍዎም፡ ኲሎም ከኣ ተጨፍለቑ።
13 እቶም ኣማስያ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይከዱ ዘሰናበቶም ሰባት ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፡ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤት – ሖሮን፡ ሓደጋ ወደቑወን እሞ ኣባታተን ሰለስተ ሽሕ ቀተሉ፡ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ።
14 ኰነ ድማ፡ ኣማስያ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ኪመለስ ከሎ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ተማልኤ፡ ኣማልኽቱ ኪዀኑ ድማ ኣቘሞም፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዕጣንውን ዐጠነሎም።
15 ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ኣማስያ ተናደደ እሞ፡ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየድሐኑ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ ዝደሌኻዮም? በሎ።
16 ኰነ ድማ፡ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ፡ ናይ ንጉስ መኻሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ግደፍ፡ ንምንታይ ክትቅተል እትደሊ? በሎ። እቲ ነብዪ ድማ፡ ምኽረይ ብዘይ ምስማዕካ እዚ ኻብ ገበርካስ፡ ኣምላኽ ኬጥፍኣካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ፡ ኢሉ ገደፎ።
17 ሽዑ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ምኽሪ ምስ መኸረ፡ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ወዲ የሁ፡ ሰዲዱ፡ ንዓ እሞ ገጽ ንገጽ ንርእኤ፡ በሎ።
18 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ግና ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸምዚ በሎ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓልካ ሀቦ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። እቶም ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፉ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጽዎ።
19 እንሆ፡ ንኤዶም ስዒረያ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ልብኻስ ኬኽብረካ ኢሉ ተዐበየ። ሕጂ ኣብ ቤትካ ተቐመጥ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ፡ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ፡ ክትወድቕስ ኣብ መከራ እትኣቱ?
20 ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝደለይዎም ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኪህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡ በዚ እዩ ኣማስያ ነዚ ዘይሰምዔ።
21 ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት – ሸመሽ ንገጽ ተራኣኣዩ።
22 ግናኸ ይሁዳ ኣ ብቅድሚ እስራእሕአል ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ድንኳኑ ሀደመ።
23 ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት – ሸመሽ ሐዞ፡ ናይ የሩሳሌም ከኣ ኣምጽኦ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ።
24 እቲ ምስ ዖቤድ – ኤዶም ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝሆ ዚዀኑ ደቅን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
25 ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮኣስ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ።
26 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሃፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልንዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
27 ድሕሪ እታ ኣማስያ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሐቐላ ጊዜ ኣብ የሩሳሌም ማሕላ ተማሓሐሉሉ። ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሀደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ልኢኾም ከኣ ኣብኣ ቐተልዎ።
28 ኣብ ኣፍራስ ሰቒሎም ወሰድዎ፡ ኣብ ከተማ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ።

 

1 ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንዑዝያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዱ ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።
2 ንሱ ንኤሎት ሰርሓ፡ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ብዝደቀሰ ድማ፡ ናብ ይሁዳ መለሳ።
3 ዑዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
4 ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
5 እቲ ናይ ኣምላኽ ራእይ ዜስተብህል ዘካርያስ ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ኸሎ ድማ፡ ኣምላኽ የቃንዓሉ ነበረ።
6 ወጺኡ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ እሞ ፡ ንመካበብያታት ጋትን መካበብያታት ያብነን መካበብያታት ኣሽዶድን ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣሽዶድን ኣብ ማእከል ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ከተማታት ሰርሔ።
7 ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጉር – በዓል ዚነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ መዑናውያንን ከኣ ኣምላኽ ሀገዞ።
8 ዓሞናውያን ድማ ንዑዝያ ህያባት ሀብዎ፡ ንሱ ብዘይ ልክዕ በርትዔ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ግብጺ ኸደ።
9 ዑዝያ ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዝንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ መኣዝንን ግምብታት ሰርሔ ኣጽንዖውን።
10 ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ድማ ብዙሓት ከብቲ ነበራኦ እሞ፡ ኣብ በረኻውን ግምብታት ሰርሔ፡ mበዙሕ ሓጽብታት ከኣ ኰዐተ። ፈታው ማሕረስ ድማ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብቲ ፍርያም ግርሁን ሓረስቶትን ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።
11 ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተማህረ ሰራዊት ነበሮ። ንሱ ኸምቲ የዒኤል እቲ ጸሓፍን ማዓስያ እቲ ኻብቶም ሓላቑ ንጉስ፡ ዝጸሐፍዎን ዝቘጸርዎን ጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወጹ ነበሩ።
12 ብዘሎ ቚጽሪ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ክልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ።
13 ኣብ ትሕቲ ኢዶም ድማ ንጉስ፡ ንጸላኢ ንምውጋእ ዚሕግዞ፡ ሰለስተ ሚእትን ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓያልን ጅግናን ዝዀነ ሰራዊት ነበሮ።
14 ዑዝያ ኸ ኣንብዘሎ እዚ ሰራዊት ዋላቱን ኲናውትን ቊራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዚውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ።
15 ኣብ የሩሳሌም ድማ ፍላጻታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዚውርውረሉ ብብልሓት ብልሃተኛ እተገብረ መሳርያታት ኣብ ግምብታትን ኣብ መኣዝናትን ዚዀና ነበረ። ክሳዕ ዚብርትዕ ብዜደንቕ ተረዲኡ ነበረ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ርሑቕ ወጸ።
16 ምስ ሰልጠነ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ። ናብቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ፡ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዐጥን ኢሉ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ።
17 ካህን ኣዛርያ፡ ምስኡ ሰማንያ ተብዓት ክህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪኡ ኣተወ።
18 ንሳቶም ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተዛረብዎ፡ ዎ ዑዝያ፡ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዐጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ እሞ፡ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእ።
19 ሽዑ ዑዝያ ዀረየ፡ ነታ ዚዐጥነላ ጽንሃህ ከኣ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ኪዂርየሎም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምጺ ወጸቶ።
20 ሊቀ ኻህናት ኣዛርያን ኲሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ግምባሩ ለምጻም ነበረ እሞ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ። እግዚኣብሄር ስለ ዝቐጽዖ ባዕሉውን ቀልጢፉ ወጸ።
21 ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምጻም ነበረ። ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ለምጻም ኰይኑ ኣብ ፍልይቲ ቤት ተቐመጠ። ወዱ ዮታም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ንጉስ ነበረ። ንህዝቢ እታ ሃገርውን ይፈርድ ነበረ።
22 እቲ ዝተረፈ ናይ ዑዝያ ነገር ከኣ፡ ቀዳማዮን ዳሕራዩን፡ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ጽሒፍዎ ኣሎ።
23 ዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱውን ቀበርዎ። ንሱ ለምጻም ነበረ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ናይ ነገስታት መቓብር ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮታም ነገሰ።

 

1 ዮታም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ፡ ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።
2 ንሱ ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይኣተወን እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድም እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። እቶም ህዝቢ ግና ይእብሱ ነበሩ።
3 ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሔ፡ ኣብ መካበብያ ዖፌልውን ብዙሕ ሰርሔ።
4 ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ከተማታት ሰርሔ፡ ኣብ ዱር ከኣ ዕርድታትን ግምብታትን ሰርሔ።
5 ንሱ ኸኣ ምስ ንጉስ ደቂ ዓሞን ተዋጊኡ ሰዐሮም እሞ፡ በታ ዓመት እቲኣ እቶም ደቂ ዓሞን ሚእቲ ታለንት ብሩርን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ሀብዎ። እቶም ደቂ ዓሞን በታ ኻልኣይትን ሳልሰይትን ዓመት ከኣ ከክንድዚ ሀብዎ።
6 ዮታም መገድታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ስለ ዘቕንዔ ድማ፡ በርትዔ።
7 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ ውግኡን መገድታቱን ከኣ፡ እንሆ፡ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ።
8 ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ።
9 ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ።

 

1 ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይገበረን።
2 ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ይኸይድ ነበረ፡ ኤረ ንሱስ ንበዓላትውን ፍሱስ ምስልታት ገበረ።
3 ንሱ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከኣ ዕጣን ዐጠነ፡ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸኣ፡ ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣንደዶም።
4 ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኣሕሊፉ ሀቦ፡ ንሳቶም ድማ ሰዐርዎ እሞ፡ ካብ ናቱ ዓብዪ ጭፍራ ማሪኾም፡ ናብ ደማስቆ ኣምጽእዎ። ኣብ ኢድ ንጉስ እስራኤልውን ተዋህበ፡ ንሱ ኸኣ ብዓብዪ ስዕረት ሰዐሮ።
6 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደግዎስ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኻብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ቀተለ፡ ኲሎም ተዋጋእቲ ሰብ ነበሩ።
7 ዚክሪ ዚብሀል ሓደ ጅግና ኤፍሬማዊ ድማ ንማዓስያ ወዲ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ቀተሎም።
8 እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ማረኹ፡ ካባታቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ድማ፡ ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ኣምጽእዎ።
9 ኣብኡ ግና ዖዴድ ዝስሙ ነብዪ እግዚኣብሄር ነበረ፡ ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዚመጽእ ሰራዊት ኪቀባበሎ ወጸ፡ በሎም ድማ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣብ ይሁዳ ስለ እተቘጥዔ፡ ንእኦም ኣብ ኢድኩም ሀበኩም፡ ንስኻትኩም ከኣ ናብ ሰማይ ብዚበጽሕ ነድሪ ቐተልኩምዎም።
10 ሕጂ ድማ ነቶም ደቂ ይሁዳን የሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ትሐስቡ ኣሎኹም። እምበኣርሲ ንስኻትኩም፡ እወ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽዶ ትብድሉ ኣየሎኹምን?
11 ሕጂ ኸኣ ስምዑኒ፡ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ነዲዱ ኣሎ እሞ፡ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።
12 ሽዑ ገለኻብቶም ሓላቑ ደቂ ኤፍሬም፡ ዓዛርያ ወዲ ዮሓናን በረክያ ወዲ መሺለሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሻሉምን ዓማሳ ወዲ ሓድላይን ኣብቶም ካብ ውግእ ዝመጹ ተንስኡ፡
13 በልዎም ድማ፡ በደልናስ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ቊጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም ከኣ በዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዚዀነና ጌርኩም፡ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሐስቡ ዘሎኹም እሞ፡ ነዞም ምሩኻት እዚኦም ናብዚ ኣይተእትውዎም።
14 ሽዑ እቶም ሰብ ውግእ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም ሓላቑን ብዘላ ማሕበርን ሐደግዎም።
15 እቶም ሕጂ እተሰምዩ ሰባት ከኣ ተንሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፡ ንዂሎም ዕሩቓቶም ድማ ካብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከኣ። ኣሳእን ሀብዎም፡ መብልዕን መስተን ሀብዎም ዘይቲውን ለኸይዎም፡ ንዂሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣስሪሮም፡ ናብ ያሪኮ፡ ናብታ ኸተማ ተምሪ፡ ናብ ኣሕዋቶም ኣብጽሕዎም። ናብ ሰማርያ ኸኣ ተመልሱ።
16 በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ኣሃዝ ንነገስታት ኣሶር ኪረድእዎ ለኣኸሎም።
17 ኤዶማውያንሲ ኸም ብሓድሽ መጺኦም ንይሁዳ ሓደጋ ወዲቖም፡ ምሩኻት ወሰዱ።
18 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንቤት – ሸመሽን ኣያሎንን ገደሮትን ንሶኮ ምስ ከተማታታን ንቲምና ምስ ከተማታታን ንጊምዞውን ምስ ከተማታታን ሐዝወን። ኣባታተን ድማ ተቐመጡ።
19 እግዚኣብሄር ብሰሪ ኣሃዝ ንጉስ እስራኤል፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ በዲሉ ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሐደጋ፡ ንይሁዳ ኣዋረዳ።
20 ቲልጋት – ጲልነሰር ንጉስ ኣሶር ግና ናብኡ መጸ፡ ንሱ ኣጽበበሉ ደኣ እምበር፡ ኣይደገፎን።
21 ኣሃዝ ነታ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ ንጉስን ቤተ ሓላቑን ጐርጒሩ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይተረድኣሉን።
22 እዚ ንጉስ ኣሃዝ በዚ ጊዜ ጸበባኡ ድማ እናወሰኸ ንእግዚኣብሄር በደሎ።
23 እቶም ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንእኦም ዚሕግዝዎም ስለ ዝዀኑ፡ ኣነ ኸኣ፡ ምእንቲ ኺሕግዙኒ፡ ክስውኣሎም እየ፡ ኢሉ ነቶም ዝሰዐርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውኣሎም ነበረ። ግናኸ ንሳቶምስ ንእኡን ንብዘሎ እስራኤልን ደኣ ንውድቀት ኰንዎም።
24 ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ኣከቦ እሞ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽውን ሰባበሮ፡ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዐጸዎ። ኣብ ኲሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ።
25 ኣብ ብዘለዋ ኸተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ኣብኡ ኺዐጥነሎም፡ በረኽቲ ገበረ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ።
26 እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኲሉ መገድታቱን ድማ፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ።
27 ኣሃዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ኸተማ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ቀበርዎ፡ ግናኸ ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።

 

1 ህዝቅያስ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ከሎ ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ፡ ስም ኣዲኡ ኸኣ ኣቢያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።
2 ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
3 ንሱ በታ መጀመርያ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን ጸገነንውን።
4 ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምጺኡ ኸአ፡ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም፡
5 በሎም ድማ፡ ኣቱም ሌዋውያን፡ ስምዑኒ፡ ተቐደሱ፡ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከኣ ቀድስዋ፡ ነቲ ርኽሰት ድማ ካብ መቕደስ ኣውጽእዎ።
6 ኣቦታትና በደሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽፉእ ዘበለ ገበሩ፡ ንእኡ ድማ ሐደግዎ፡ ገጾም ካብ ማሕደር እግዚኣብሄር ንንየው መለሱ፡ ዝባኖምውን መለሱሉ።
7 መዓጹ እቲ ገበላ ድማ ዐጸዉ፡ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፡ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዐጠኑን፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ኣየዕረጉሉን።
8 ስለዚ ድማ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኰይኑ ኣሎ እሞ፡ ከምዚ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመሰክሕን ብመደነቕን ንመላገጽን ገበሮም።
9 ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ ኣቦታትና ብሴፍ ወደቑ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኣንስትናን ድማ ተማሪኾም ኣለዉ።
10 ሕጅስ እቲ ጕሁር ቊጥዓኡ ኻባና ምእንቲ ኺምለስ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ኣብ ልበይ ሓሳብ ኣሎኒ።
11 ኣቱም ደቀየ፡ ንእኡ ኸተገልግሉ እሞ፡ ኣገልገልቱ ዄንኩም፡ ዕጣን ክትዐጥኑሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክትብሉ፡ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሐርዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሸለል ኣይትበሉ።
12 ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተንስኡ፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ማሓት ወዲ ኣማሳይን ዮኤል ወዲ ዓዛርያን፡ ካብ ደቂ መራሪ ድማ፡ ቂስ ወዲ ዓብድን ኣዛርያ ወዲ ዮሃለልኤልን፡ ካብ ጌርሾናውያን ከኣ፡ ዮኣሕ ወዲ ዚማን ዔደን ወዲ ዮኣሕን፡
13 ካብ ደቂ ኤሊጻፋን ድማ፡ ሺምሪን የዑኤልን፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ ከኣ፡ ዘካርያስን ማታንያን፡
14 ካብ ደቂ ሄማን ደማ፡ የሒኤልን ሺምዒን፡ ካብ ደቂ የዱቱን ከኣ፡ ሸማዕያን ዑዚኤልን።
15 ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ፡ ከምቲ ንጉስ ብቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከኣ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ኬጽርይዋ ኣተዉ።
16 እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ኬጽርዩ ኣተዉ እሞ፡ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንዝረኸብዎ ዂሉ ርኽሰት ናብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽእዎ። እቶም ሌዋውያን ከኣ ተቐቢሎም ናብ ግዳም ናብቲ ርባ ቄድሮን ኣውጽእዎ።
17 በታ መጀመርያ ወርሒ እሞ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኪቕድሱ ጀመሩ፡ ነታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ናብ ገበላ እግዚኣብሄር መጹ፡ ብሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ፡ ነታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ መዓልታ ድማ ወድእዎ።
18 ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ኣትዮም በልዎ፡ ንብዘላ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢ ምሕራርን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ኣጽሪናዮ ኣሎና።
19 ነቲ ንጉስ ኣሃዝ ኪገዝእ ከሎ፡ ብምብዳሉ ዝደርበዮ ዂሉ ኣቓሑ ኸኣ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ።
20 ሽዑ ንጉስ ህዝቅያስ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሓላቑ እታ ኸተማ ኸኣ ኣከቦም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ።
21 ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ እቲ መቕደስን ምእንቲ ይሁዳን ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚዀኑ ሾብዓተ ብዕራይን ሾብዓተ ድዑልን ሾብዓተ ገንሸልን ሾብዓተ ዲበላን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኪስውእዎም ከኣ፡ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም።
22 ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሐረድዎም፡ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፡ ነቶም ደዓውልውን ሐሪዶም ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ። ነቶም ገናሽል ከኣ ሐሪዶም፡ ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ።
23 ነቶም ዲበላታት መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ማሕበርን ኣቕረብዎም፡ ኣእዳዎም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንበሩ።
24 እቲ ንጉስሲ እቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ምእንቲ ብዘሎ እስራኤል ኪግበር ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ሐረድዎም፡ በቲ ደሞም ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብቲ መሰውኢ ሰውኡ።
25 እቲ ትእዛዝሲ ብነብያቱ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ ዝነበረ እሞ፡ ከም ትእዛዝ ዳዊትን ጋድ እቲ ናይ ንጉስ ረኣይን ነብዪ ናታንን፡ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ጸናጽልን ምስ መሰንቆታትን ምስ በገናታትን ኣቘሞም።
26 ሌዋውያን ከኣ ምስቲ ናይ ዳዊት መሳርያ ሙዚክ ካህናትውን ምስ መለኸታት ቈይሞም ነበሩ።
27 ህዝቅያስ ድማ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኺስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኺጅመር ከሎ ኸኣ፡ መዝሙር እግዚኣብሄርን መለኸታትን ብሓንሳእ ምስቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርያ ሙዚክ ጀመረ።
28 ብዘሎ እቲ ማሕበር ከኣ ይሰግድ ነበረ፡ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፡ መለኸታትውን ተነፍሔ፡ እዚ ዂሉ ድማ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኽሳዕ ዚፍጸም ኰነ።
29 ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ፈጸምዎ ኸኣ፡ እቲ ንጉስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎምን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
30 ንጉስ ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ኣሳፍ እቲ ረኣይን ንእግዚኣብሄር ምስጋና ኺዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሐጒሶም ከኣ ምስጋና ዘመሩ፡ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ።
31 ህዝቅያስ ድማ፡ ሕጂ ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር መሊእኩም ኢኹም እሞ፡ ቅረቡ፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእትዉ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ማሕበር ከኣ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምጽኤ፡ ፍቶት ልቢ ዘለዎ ዂሉ ድማ ዚሐርር መስዋእቲ ኣቕረበ።
32 ቊጽሪ እቲ ማሕበር ዘምጽኦ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰብዓ ብዕራይ፡ ሚእቲ ድዑል፡ ክልተ ሚእቲ ገንሸል እዩ፡ እዚ ዂሉ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ እዩ ዝነበረ።
33 እቲ ዝቐደስዎ ነገር ድማ ሹድሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን እዮም።
34 እቶም ካህናት ግና ውሒዶም ነበሩ እሞ ንዂሎም እቶም መስዋእቲ ምሕራር ምቕላጦም ኣይከኣሉን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዕዮዚ ኽሳዕ ዝውዳእ፡ እቶም ካህናትውን ክሳዕ ዚቕደሱ፡ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሐገዝዎም። ከመይሲ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዚበልጹ ንምቕዳስ ዚኸውን ቅኑዕ ልቢ ነበሮም።
35 ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ኢሉ እተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ አሉ ተሰርዔ።
36 እቲ ነገር ብሃንደበት እዩ ዝዀነ እሞ፡ ህዝቅያስን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ ዘዳለወሉ ተሐጐሱ።

 

1 ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ኪመጹ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሉ፡ ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፡ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ ደብዳበ ጸሐፈ።
2-3 ግናኸ እቶም ካህናት ዚኣኽሉ ዀይኖም ስለ ዘይተቐደሱን፡ እቲ ህዝቢውን ኣብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ በቲ ጊዜኡ ፋስጋ ኼብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ሓላቑኡን ብዘላ ማሕበር የሩሳሌምን ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኺበዐል ተማኺሮም ነበሩ።
4 እዚ ነገር እዚ ንንጉስን ንብዘላ እታ ማሕበርን ቅኑዕ ኰይኑ ተራእዮም።
5 ከምቲ ጽሑፍ ገይሮም ካብ ነዊሕ ዘመን ኣየብዐልዎን እሞ መጺኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሎም፡ ካብ ብኤር – ሸባዕ ክሳዕ ዳን ኣብ ብዘሎ እስራኤል ኣዋጅ ኪእወጅ መደቡ።
6 እቶም ልኡኻት ድማ ደብዳቤታት ንጉስን ሓላቑኡን ሒዞም ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዚ ኢሎም ነገሩ፡ ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዝመለቚኩም ተረፍ፡ ምእንቲ ኺምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ተመለሱ።
7 ከምቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝበደሉ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከምዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ኣባደሞም፡
8 ሕጅስ ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፡ ኢድኩም ደኣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ምጹ፡ እቲ ነዲ ቚጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኺምለስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ።
9 ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመለስኩምሲ፡ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ኪረኽቡ፡ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ኪምለሱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ናብኡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ድማ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይኪመልሶን እዩ።
10 እቶም ልኡኻት ከኣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ክሳዕ ዛብሎን ሐለፉ። ግናኸ ሰሐቑሎምን ኣላገጹሎምን።
11 ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ግና ሓያሎ ሰባት ርእሶም ኣትሒቶም ናብ የሩሳሌም መጹ።
12 እቲ ብቓል እግዚኣብሄር ብዀነ ትእዛዝ ንጉስን ሓላቑን ኪገብሩስ፡ ሓደ ልቢ ኺህቦም፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ኢድ ኣምላኽ ኰነ።
13 ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኸኣ በዓል ቅጫ ኼብዕሉ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣዝዮም ዓብዪ ማሕበር፡ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ።
14 ተንሲኦም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣርሐቑ፡ ንዂሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ርባ ቄድሮን ደርበይዎ።
15 ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሐረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሐፈሩ፡ ተቐዲሶም ከኣ ዚሐርር መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምጽኡ።
16 ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ በቦታኦም ደው በሉ፡ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነጽጉ ነበሩ።
17 ኣብታ ማሕበርሲ ብዙሓት ዘይተቐደሱ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነጽሁ ዂሎም ፋስጋ ሐሪዶም ንእግዚኣብሄር ቀደስዎም።
18-19 ካብቲ ህዝቢ ብዙሓት፡ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ብዙሓት ሰብ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዘይኰነ ደኣ ፋስጋ በልዑ እምበር፡ ኣይነጽሁን። ህዝቅያስ ግና፡ እቲ ሕያዋይ እግዚኣብሄር ነቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታቱ፡ ኪደልዮም ልቡ ዘቕንዔ ዘበለ ዂሉ፡ ንሱ ኸምቲ ምንጻህ መቕደስ እኳ እንተ ዘይነጽሄ፡ ይቕረ ደኣ ይበለሉ፡ ኢሉ ምእንታኦም ለመነ።
20 እግዚኣብሄር ከኣ ንህዝቅያስ ሰሚዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኣሕወዮ።
21 እቶም ኣብ የሩሳሌም እተረኽቡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ሓጐስ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዐሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ ንእግዚኣብሄር መዓልቲ ንመዓልቲ ብመሳርያ ሙዚክ ንእግዚኣብሄር ምስጋና ዘመሩ።
22 ህዝቅያስ ድማ ንልቢ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ኣጸቢቖም ዜስተውዑሉ ዝነበሩ ዂሎም ሌዋውያን ጥዑም ተዛረቦም። በቲ በዓል፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ እቲኣተን፡ ከኣ መስዋእቲ ምስጋና እናዕረጉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም እናመስገኑን ይበልዑ ነበሩ።
23 ብዘለዉ እቶም ማሕበር ድማ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ኼብዕሉ ኣስመሩ፡ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲውን ብሓጐስ ኣብዐሉ።
24 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ማሕበር ንምስዋእ ሽሕ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሀበ። እቶም ሓላቑ ድማ ንማሕበር ሽሕ ብዕራይን ዓሰርተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሀቡ። ብዙሓት ካህናት ከኣ ተቐደሱ።
25 ብዘሎ ማሕበር ይሁዳ ድማ ምስናይ ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ እቲ ኻብ እስራኤል ዝመጸ ማሕበርን እቶም ወሰንተኛታት ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመጹን ኣብ ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩን ተሐጐሱ።
26 ካብ ዘመን ሰሎሞን፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ የሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።
27 እቶም ሌዋውያን ካህናት ከኣ ተንሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፡ ድምጾም ድማ ተሰምዔ፡ ጸሎቶምውን ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ ቅድስቲ ማሕደሩ፡ ኣተወ።

 

1 እዚ ዂሉ ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡ ኣብኡ እተረኽበ ዘበለ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጹ እሞ ነቲ ኣዕኑድ ሰበርዎ፡ ንኣስታርቴታት ድማ ቈራረጽዎ፡ ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ በረኽትን መሰውኢታትን ክሳዕ ዚጥርሱ፡ ኣፍረስዎም። ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፡ ናብ ከተማታቶም ተመልሱ።
2 ህዝቅያስ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ከክፍሎም ኪዀኑ መደቦም፡ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ከከም ምግልጋሉ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኬዕርጉን ኬገልግሉን ኣብተን ደጌታት ሰፈር እግዚኣብሄር ኪውድሱን ኬመስግኑን ሰርዖም።
3 እቲ ንጉስ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ጽሑፍ ዘሎ፡ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ዚሐርር መስዋእትን ዚኸውን ካብ ገንዘቡ ሀበ።
4 ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ህዝቢ ድማ፡ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን፡ ንሳቶም ኣብቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺጸንዑ፡ ግዲኦም ኪህብዎም ኣዘዞም።
5 እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ወጸ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኲሉ እቶም ግራሁን በዂራት ኣብዚሖም ሀቡ፡ ናይ ኲሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ኣእተዉ።
6 እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ካብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፡ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝቐደስዎ ቅዱሳት ነገር ድማ ኣስራት ኣምጽኡ፡ ኲምራታት ከኣ ገበርዎ።
7 ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ ኪዂምሩ ጀመሩ፡ በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ።
8 ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን መጺኦም ነቲ ዂምራታት ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ንህዝቡ እስራኤልን ባረኹ።
9 ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዂምራታታ ሐተቶም።
10 ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ጻዶቅ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ኣዛርያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዚጅምር ሒዝና ኽሳዕ እንጸግብ ንበልዕ ነበርና፡ ብዙሕ ከኣ ኣትረፍና። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ባሪኽዎ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ እዚ ድልቢ እዚ እዩ።
11 ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕከን ኪዳሎ ኣዘዘ፡ ኣዳለዉ ኸኣ።
12 መባእን ኣስራትን እቲ እተቐደሰ ነገርን ከኣ ተኣሚኖም ናብኡ ኣእተዉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ነገር እዚ ድማ ኮናንያ ሌዋዊ ተሸይምዎ ነበረ፡ ካልኣይ ከኣ ሓዉ ሺምዒ።
13 ብትእዛዝ ንጉስ ህዝቅያስን ኣዛርያ መስፍን ቤት ኣምላኽን ድማ የሒኤልን ኣዛዝያን ናሓትን ዓሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያን ማሓትን ባናያን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኮናንያን ሺምዒ ሓዉን ሓለውቲ ነበሩ።
14 ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፡ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት ደገ ኸኣ ነቲ መባእ እግዚኣብሄርን ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ነገርን ኪዕድሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብፍታው ንኣምላኽ እተሰውኤ መባእ ዋና ዀነ።
15 ኣብ ትሕቲ ኢዱ ድማ፡ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምቲ ኽፍሎም ንዓብይን ንንኡስን ኪዕድሉሎም፡ ዔዴንን ሚንያሚንን የሹዓን ሸማዕያን ኣማርያን ሸካንያን ብእምነት ኣብ ከተማታት ካህናት ተሸይሞም ነበሩ።
16 ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ እቶም ከከም ክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ነቲ ነናይ መዓልቲ ዜድሊ ነገር ኪገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚኣትዉ ዘበሉ ዂሎም፡
17 ከምኡ ድማ ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተጻሕፈ ኻህናት፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም እተጻሕፉ ሌዋውያን፡
18 ኣብቲ እተመዘዝዎ መዞም ድማ ርእሶም ብእምነት ቀደሱ እሞ፡ ነቶም እተጻሕፉ ዂሎም ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ብዘለዉ ናይታ ማሕበር፡
19 ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ግራሁ ዝነበሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፡ ካብ ካህናት ተባዕታይ ንዘበለን ካብ ሌዋውያን ንተጻሕፈ ዘበሉ ዂሎምን ገግዲኦም ኪህብዎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ በብስሞም እተመደቡ ሰባት ነበሩ።
20 ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ ኸምኡ ገበረ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ።
21 ብኣገልግሎት ቤት ኣምላኽን ብሕግን ብትእዛዝን ድማ ንኣምላኹ ደልዩ ዝጀመሮ ዂሉ ዕዮ፡ ብምሉእ ልቡ ገበሮ እሞ፡ ሰለጠሉ።

 

1 ድሕሪ እዚ ነገር እዝን እዛ እምነት እዚኣን ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር መጺኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ፡ ኣብ ቅድሚ እተን እተዐርዳ ኸተማታት ሰፊሩ ድማ፡ ንርእሱ ኺሕዘን ሐሰበ።
2 ህዝቅያስ ከኣ ሰናክሬብ ከም ዝመጸን ንየሩሳሌም ኪዋግኣ ኸም ዝሐሰበን ምስ ረኣየ፡
3 እቲ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ዘሎ ማያት ኣብ ዓዓይኑ ኺድፈን፡ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ሐገዝዎ።
4 ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ከኣ፡ ስለምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መጺኦም ብዙሕ ማይ ዚረኽቡ? ኢሎም ንዂሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእከል እታ ሃገር ዚውሕዝ ርባን ዐጸውዎ።
5 ተቢዑ ድማ ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበር መንደቕ ነደቖ፡ ነቲ ግምብታት ከኣ ኣንውሖ፡ ኣብ ወጻኢኡ ድማ ካልኣይ መንደቕ ነደቐ። ንሚሎ ኸተማ ዳዊት ከኣ ኣጽንዓ፡ ብዙሕ መሳርያታትን ዋላቱን ድማ ገበረ።
6 ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ሓላቑ ውግእ ሾመ፡ ናብታ ኣብ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸኣ ናብኡ ኣከቦም እሞ፡ ከምዚ ኢሉ ንልቦም ተዛረቦ፡
7 ጽንዑን ትብዑን፡ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ምሰኡ ዘሎ ጭፍራ ኣይትፍርሁን ኣትሸበሩን።
8 እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ፡ እቲ ኺረድኣና ውግእና ኺዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና እግዚኣቢሄር ኣምላኽና እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሀድኤ።
9 ድሕርዚ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር፡ – ንሱን ብዘሎ ሰራዊቱ ኸኣ ምስኡን ፡ኣብ ቅድሚ ላኪሽ ሰፊሩ ኸሎ፡ – ገላዉኡ ናብ የሩሳሌም ናብ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ሰብ ይሁዳን ሰደደ እሞ በለ፡
10 ሰናክሬብ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብዛ ኽብብቲ የሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘሎኹምሲ፡ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም፡
11 ብጥሜትን ብጽምኣትን ክትሞቱስ፡ ህዝቅያስዶ ኣይኰነን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈና እዩ፡ እናበለ ዜስሕተኩም ዘሎ፡
12 እቲ ንበረኽቱን ንመሰውኢታቱን ኣግሊሱ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፡ አብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ፡ ዝበለስ፡ እዚ ህዝቅያስ እዚዶ ኣይኰነን?
13 ኣነን ኣቦታተይን ንዂሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን? ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኤንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኼናግፍወን ክኢሎም እዮም?
14 ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኦምሲ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኬናግፎ ዝኸኣለ መን እዩ?
15 እምበኣርሲ ህዝቅያስ ኣይጠብርኩምን በዚ ነገር እዚ ኣይሐባብልኩምን፡ ኣይትእመንዎ ኸኣ። ከመይሲ ናይ ዝዀነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ዘበለ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይስ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ኬናግፎ ዝኽአለ መን እዩ? ኣምላኽኩም ግዳ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም?
16 እቶም ገላዉኡ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ህዝቅያስን ተዛረቡ።
17 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪጸርፎ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኪዛረብሲ፡ ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሐንዎም፡ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ህዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኣይኬድሕኖምን እዩ? ኢሉ ደብዳበ ጸሐፈ።
18 ነታ ኸተማ ምእንቲ ኺሕዝዋ ድማ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ መንደቕ ዝነበሩ ህዝቢ የሩሳሌም ኬፍርህዎምን ኬሸብርዎምንሲ ዓው ኢሎም ብቛንቋ ኣይሁድ ተዛረብዎም።
19 ብዛዕባ ኣምላኽ የሩሳሌም ድማ፡ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ምድሪ፡ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ።
20 ንጉስ ህዝቅያስን ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽን ግና ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ጸለዩ፡ ናብ ሰማይውን ተማህለሉ።
21 እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዂሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ሓላቑን ኣጥፍኦም፡ ንሱ ኸኣ ገጹ ሐፊሩ ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ናብ ቤት ኣምላኹ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ ኣብኡ ብሴፍ ቀተልዎ።
22 እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቅያስን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ካብ ኢድ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኲሎም ካልኦት ኣድሐኖም፡ ብዂሉ ወገን ድማ ሐለዎም።
23 ብዙሓት ከኣ ንእግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም መባእ፡ ክቡር ነገራት ከኣ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣምጽኡ። ድሕሪ እዚ ድማ ንሱ ኣብ ኣዒንቲ ዂሎም ኣህዛብ ልዑል ኰይኑ ተራእየ።
24 በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዜቐርብ ሐመመ እሞ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ ንሱ ኸኣ ተዛረቦ፡ ምልክትውን ሀቦ።
25 ግናኸ ህዝቅያስ፡ ልቡ ደኣ ተዐበየ እምበር፡ ነቲ ዝረኸቦ ኬርነትሲ ውሬታ ኣይመለሰሉን፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቊጥዓ ዀነ።
26 ህዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ርእሱ ኣተሐተ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊኦም ኣይመጸን።
27 ህዝቅያስ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ እሞ፡ ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን ንቐመማትን ንዋላቱን ንዂሉ ዓይነት ክቡር ኣቓሑን ቤት መዛግብቲ ገበረ።
28 ንእቶም እኽልን ወይንን ዘይትን ድማ ሪቕ፡ ንዂሉ ዓይነት እንስሳ ኸኣ ጋጻት ሰርሔ፡ መጓሴታትውን ኣብ ደምቤታቱ ነበራኦ።
29 ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፡ ከተማታት ሰርሔ፡ ብዙሓት ከብትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ።
30 ነቲ ላዕላይ ዓይኒ ማይ ጊሆን ዐቢሱስ፡ ናብ ምዕራብ ከተማ ዳዊት ኣቢሉ ዘውሐዞ ኸኣ እዚ ህዝቅያስ እዚ እዩ። ህዝቅያስ ድማ ኲሉ ግብሩ ሰለጠሉ።
31 ምስናይዚ ግና እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር እተገብረ ተኣምራት ኪጥይቑ ናብኡ እተላእኩ ልኡኻት መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መጹ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዘበለ ዂሉ ምእንቲ ኺፈልጦስ፡ ኪፈትኖ ኢሉ ሐደጎ።
32 እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ናይ ለውሃት ተግባሩን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ራእይ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ።
33 ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ናብ መቓብራት ደቂ ዳዊት እተደይብ ቦታ ኸኣ ቀበርዎ። ብዘላ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብሞቱ ኣኽበርዎ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ።

 

1 ምናሴ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ።
2 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራእሕአል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
3 ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓላት ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ኣስታርቴታትውን ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራውቲ ሰማይ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።
4 ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፡ ዝበለላ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ።
5 ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም።
6 ንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረ፡ መንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።
7 ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ጣኦትውን ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ፡ ብዛዕባ እታ ቤት ግና ኣምላኽ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።
8 ሓንትስ ነቲ ዝኣዘዝክዎም ኲሉ፡ ከምቲ ብሙሴ እተዋህበ ዂሉ ሕግን ስርዓታትን ፍርድታትን ደኣ ንምግባሩ ተጠንቀቑሉ እምበር፡ ንእግሪ እስራኤል ካብዛ ነቦታትኩም ዝመደብኩሎም ምድሪ መሊሰ ኣየግልሶን እየ።
9 ምናሴ ድማ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ካብ ናይ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ኺገብሩ ኣስሐቶም።
10 እግዚኣብሄር ከኣ ንምናሴን ንህዝቡን ተዛረቦም፡ ንሳቶም ግና ናብኡ ኣየቕለቡን።
11 ሽዑ እግዚኣብሄር ናብቲ ንጉስ ኣሶር ሓላቑ ሰራዊት ናብ ልዕሊኦም ከም ዝመጹ ገበረ፡ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሐዝዎ፡ ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
12 ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ።
13 ናብኡ ኸኣ ተማህለለ፡ ንሱ ድማ ራሕረሓሉ፡ ጸሎቱ ኸኣ ሰምዖ፡ ናብታ መንግስቱውን ናብ የሩሳሌም መለሶ። ሽዑ ምናሴ፡ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፈለጠ።
14 ድሕርዚ ድማ ንሱ ንኸተማ ዳዊት ኣብ ወገን ምዕራብ ጊሆን፡ ኣብታ ለሰ ኽሳዕ ናብቲ ብደገ ዓሳ ዚኣትወሉ፡ ኣብ ዙርያ ዖፌል ናብ ወጻኢ መካበብያ ነደቐ፡ ኣዝዩ ድማ ኣበረኾ። ኣብ ኲለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓላቑ ጭፍራታት ኣቐመጠ።
15 ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲን ነቲ ምስሊ ጣኦትን ድማ ካብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽኦ፡ ነቲ ኣብ ከረን ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ የሩሳሌምን ነዲቕዎ ዝነበረ ዂሉ መሰውኢታት ከኣ ኣርሒቑ ናብ ወጻኢ ኸተማ ደርበዮ።
16 ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሐደሶ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ምስጋናን ቡራኬን ሰውኤ። ንይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኬገልግልዎ ኣዘዞም።
17 ግናኸ እቶም ህዝቢ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ደኣ እዮም እምበር፡ ገና ኣብ በርኽቲ ይስውኡ ነበሩ።
18 እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ልማኖኡ ንኣምላኹን እቶም ረኣይቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እተዛረብዎ ቓላትን እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነገስታት እስራኤል ጽሑፍ ኣሎ።
19 ድማ ብዛዕባ ጸሎቱን ከመይ ከም እተሰምዔን፡ ብዛዕባ ዂሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፡ ብዛዕባ እተን፡ ርእሱ ኸየዋረደ ኸሎ፡ በረኽቲ ዝሰርሓለንን ኣስታርቴታትን ምስልታትን ዘቘመለንን ቦታታት፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ሖዛይ ተጽሒፉ ኣሎ።
20 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቤቱ ኸኣ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ።
21 ኣሞን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤ።
22 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ኣሞን ድማ ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኲሎም ምስልታት ሰውኣሎምን ኣገልገሎምን።
23 እዚ ኣሞን እዝስ ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘትሐተ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየትሐተን።
24 ገላዉኡ ኸኣ ተማሓሐሉሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ።
25 ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሐሉሉ ዂሎም ቀተሎም። ደሓር ከኣ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገስዎ።

 

1 ዮስያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤ።
2 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ከደ፡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን።
3 ኣብ ሳምነይቲ ዓመት ምንጋሱ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ካብቲ ጽሩይ ምስልታትን ናብ ፍሲ ምስልታትን ኬጽርየን ጀመረ።
4 ነቲ መሰውኢታት በዓል ድማ ኣብ ቅድሚ ኡ ኣፍረስዎ፡ ነቲ ኣብ ለልዕሊኡ ቘይሙ ዝነበረ ምስልታት ጸሓይ ከኣ ቈረጾ፡ ንኣስታርቴታትን ነቲ እተጸርበን ዝፈሰሰን ምስልታትን ድማ ሰባበሮ፡ ኣድቅቕ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ መቓmበር እቶም ዝሰውኡሎም በተኖ።
5 ንኣዕጽምቲ ኻህናት ከኣ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣንደዶ እሞ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኣጽረየን።
6 ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ድማ ክሳዕ ንፍታሌም ኣብ ዙርያኦም ንዘልዋ ኣባይቲ ኸምኡ ገበረ።
7 ኣብ ብዘላ ሃገር እስራኤልስ መሰውኢታት ኣፍርሶ ንኣስታርቴታትን ንእተጸርበ ምስልታትን ከኣ ሓመድ ክሳዕ ዚኸውን ኣድቀቖ፡ ንዂሉ ምስልታት ጸሓይውን ቈረጾ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ።
8 ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ምንጋሱ ኸኣ ነታ ሃገርን ነታ ቤትን ምስ ኣጽረየ፡ ንሻፋን ወዲ ኣጻልያን ንመዓሰያ ሹም እታ ኸተማን ንዮኣሕ ወዲ ዮኣሓዝ፡ እቲ ጸሓፊ ዛንታን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኺጽግንዋ ለኣኾም።
9 ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኣተዉ እሞ፡ ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ ደገ ካብ ኢድ ምናሴን ኤፍሬምን ካብቶም ኲሎም ትርፎፍያ እስራኤልን ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኣብ የሩሳሌም ካብ እተቐመጡን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኣተወ ኣቕራሽ ኣወፈይዎ።
10 ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ልዕሊ ዓየይቲ ቤት እግዚኣብሄር እተሾሙ ወፈይዎ። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪጽግንዋን ኬዔርይዋን ዚዐዩ ዓየይቲ ሀብዎም።
11 ነተን ነገስታ ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ ኣግማል ኪገብሩለን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዚኸውን ኣዕጻውን ኪዕድጉለን ንጸረብትን ንሃነጽትን ሃብዎም።
12 እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዕዮ ብእምነት ገበርዎ። ኣብ ልዕሊኦም ንምሕላው እተመዘዙ ሌዋውያን ድማ፡ ካብ ደቂ መራሪ ያሓትን ኣብድያን፡ ካብ ደቂ ቃሃታውያን ከኣ ዘካርያስን መሹላምን ነበሩ። ምሳታቶም ከኣ እቶም ብመሳርያ ሙዚክ ፈላጣት ዝዀኑ ሌዋውያን ነበሩ፡
13 ኣብ ልዕሊ እቶም ጾር ዚጾሩ ዋናታት ነበሩ፡ ነቶም ንዂሉ ዓይነት ዕዮ ኣገልግሎት ዚዐዩ ኸኣ ሓለውቲ ነበሩ፡ ጸሓፍትን ሓለቓታትን ሓለውቲ ደጌታትን ድማ ካብ ሌዋውያን ነበሩ።
14 ነቲ ኣብ ቤት ዝኣተወ ኣቕራሽ ኬውጽኡ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ሒልቂያ ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ።
15 ሒልቂያ ድማ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ረኺበዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሒልቂያ ኸኣ እታ መጽሓፍ ንሻፋን ሀቦ።
16 ሻፋን ድማ ነቲ መጽሓፍ ናብ ንጉስ ኣምጽኦ፡ ወሲኹ ኸኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ ቓል መለሰሉ፡ ኣብ ኢድ እቶም ባሮትካ እተዋህበ ዘበለ ዂሉ፡ ንሳቶም ይገብርዎ ኣለዉ።
17 ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ኣቕራሽ ገልቢጥና ድማ፡ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐይዎን ሀብዎም።
18 ወፋን እቲ ጸሓፊ ኸኣ ንንጉስ፡ ካህን ሒልቂያ ሓደ መጽሓፍ ሂቡኒ ኣሎ፡ ኢሉ ነገሮ። ወፋን ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኡ ኣንበበ።
19 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።
20 እቲ ንጉስ ድማ ንሒልቂያን ንኣሒታም ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልዓ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡
21 ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዂሉ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሐለውዎ፡ እቲ ኣባና እተኻዕወ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ፡ ብናይ እዚ ኣብዚ እተረኽበ መጽሓፍ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፈ ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ።
22 ሽዑ ሒልቂያን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነብዪት ሁልዳ፡ ሰበይቲ ወሉም ሓላው ክዳውንቲ ኸዱ፡ ንሱ ወዲ ቶቅሃት፡ ወዲ ሓስራ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩስሌም ኣብታ ኻልኣይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ከምቲ ነገር ገይሮም ተዛረብዎ።
23 ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ በልዎ፡
24 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለዉን ክፉእ ከምጽእ እየ። ማለት እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቡሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ መርገም፡
25 ከመይሲ ብዂሉ ተግባር ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሐደጉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ዐጠኑ፡ ስለዚ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ተዀዖ ኣይኪጠፍእን ከኣ እዩ።
26 ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
27 ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ቃሉ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ምስ ሰማዕካ፡ እወ፡ ኣብ ቅድመይ ትሕት ኢልካስ ክዳውንትኻ ቐዲድካ፡ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
28 እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብዞም ዚነብርዋን ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ድማ ኣዒንትኻ ኣይኪርእያኦን እየን። ንሳቶም ከኣ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ።
29 ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዂሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ኣከቦም።
30 እቲ ንጉስን ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዘïነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዂሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኸኣ ኣስምዖም።
31 እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ነፍሱን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸይድ፡ ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕሉ፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት ኪዳን ከኣ ኪገብሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ።
32 ኣብ የሩሳሌም ኣብ ብንያምን ንተረኽቡ ዂሎም ድማ ኣብቲ ኺዳን ኣእተዎም። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምቲ ኺዳን ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ገበሩ።
33 ዮስያስ ድማ ካብ ኲለን ሃገራት ደቂ እስራኤል ጽያፍ ዘበለ ዂሉ ኣርሐቐ። ኣብ እስራኤል ንተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዜገልግልዎ ገበሮም። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብ ምስዓብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየግለሱን።

 

1 ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኣብዐለ፡ ኣብታ መጀመርያ ወርሒ በታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሐረዱ።
2 ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ መዞም ኣቘሞም፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኬገልግሉ ኣፋጠኖም።
3 ነቶም ንብዘሎ እስራኤል ዚምህሩ፡ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ በሎም፡ ነቲ ቅዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤት ኣቐምጥዎ፡ ደጊም ኣብ መንኲብኩም ጾር ኣይኪዀነኩምን እዩ፡ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም።
4 ከምቲ ጽሕፈት ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ከምቲ ጽሕፈት ሰሎሞን ወዱን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ።
5 ከከም ክፍሊ ማይ ቤት ኣቦታት ኣሕዋትኩም፡ እቶም ደቂ ህዝቢ ኣብቲ መቕደስ ቁሙ። ነንማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ሐሓደ ኽፍሊ ይኹን።
6 ፋስጋ ሕረዱ ተቐደሱ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብሙሴ ምእንቲ ኺገብርዎስ፡ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።
7 ዮስያስ ድማ ንደቂ እቲ ህዝቢ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም ካብቲ መጓሰ ብቚጽሪ ሰላሳ ሽሕ ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሽሕ ብዕራይን፡ ኲሎም ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ወፈዮም። እዚ ኻብ ጥሪት ንጉስ እዩ።
8 እቶም መሳፍንቱውን ብፍቓዶም መስዋእቲ ዚኸውን ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሀብዎም፡ ሒልቂያን ዘካርያስን የሒኤልን፡ እቶም ሓላቑ ቤት ኣምላኽ ከኣ፡ ንኻህናት ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ኽልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም።
9 እቶም ሓላቑ ሌዋውያን ድማ፡ ኮናንያን ሸማዕያን ንታንኤልን ኣሕዋቱን ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ንሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ሓሙሽተ ሽህ ገንሸልን ወጠጦን ሓሙሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም።
10 እቲ ኣገልግሎት ከኣ ከምዚ ኢሉ ተዳለወ፡ ከም ትእዛዝ ንጉስ ድማ ካህናት ኣብ ስፍራኦም፡ ሌዋውያንውን ኣብ ክፍልታቶም ቈሙ።
11 ፋስጋ ኸኣ ሐረዱ እሞ፡ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢዶም እናተቐበሉ ይነጽጉ ነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ይጠብሑ ነበሩ።
12 ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኬቕርቡሉ፡ ነቶም ናይ ደቂ ህዝቢ ኽፍልታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ኪዕድልዎም፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገበሩ።
13 ነቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፡ ነቲ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ብቚራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፡ ንዂሎም ደቂ እቲ ህዝቢ ቐልጢፎም ይዕድልዎም ነበሩ፡
14 ደሓር ድማ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉ፡ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ብምዕራግ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሒታትን ክሳዕ ለይቲ ዐየዩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ንኻህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ።
15 እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፡ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን የዱቱን ናይ ንጉስ ረኣይን ዝሰርዕዎ፡ ኣብ ስፍራኦም ቈሙ፡ እቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ኣብ ደደጊኦም ቈሙ። ንኣታቶም እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኬግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።
16 ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ በዓል ፋስጋ ኺግበር ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄርውን ዚሐርር መስዋእቲ ኺዐርግን በታ መዓልቲ እቲኣ ዂሉ እቲ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ተዳለወ።
17 ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብኡ እተርኽቡ ደቂ እስራኤል በታ ጊዜ እቲኣ በዓል ፋስጋ ገበሩ፡ በዓል ቅጫውን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዐሉ።
18 ኣብ እስራኤል ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ጀሚሩ፡ ከምዚ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋስጋ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ይሁዳን ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤልን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ዘብዐልዎ ፋስጋ ካብ ኲሎም ነገስታት እስራኤል ሓደ እኳ ኸምኡ ኣይገበረን።
19 እዚ በዓል ፋስጋ እዚ ንግዝኣት ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ተገብረ።
20 ድሕሪዚ ዂሉ ዮሳያስ ነቲ ቤት መቕደስ ምስ ኣዳለዎ፡ ኔኮ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኬርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ኪዋግእ ተላዕለ፡ ዮስያስ ከኣ ኪገጥመሉ ወጸ።
21 ንሱ ግና ልኡኻት ሰዲዱ በሎ፡ ኣታ ንጉስ ይሁዳ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ? ናብታ እትዋግኣኒ ዘላ ቤት ደኣ እየ እምበር፡ ሎሚ ኣይናባኻን እየ ዝመጽእ ዘሎኹ። ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ፡ ንሱ ኸየጥፍኣካስ፡ ምስቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምቅዋምካ ግደፎ።
22 ዮስያስ ግና ገጹ ኻብኡ ኣይመለሰን፡ ኤረ ምስኡ ኺዋጋእ ደኣ ኽድውንቱ ለወጠ፡ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጾ ዘረባ ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ለሰ መጊዶ ድማ ኪዋጋእ መጸ።
23 እቶም ወርወርቲ ኸኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎ፡ እቲ ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ ብርቱዕ ተወጊኤ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒ፡ በሎም።
24 ሽዑ እቶም ገላዉኡ ኻብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብቲ ዝነበሮ ኻልኣይ ሰረገላ ኣሕለፍዎ፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ ኣብጽሕዎ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐብረ። ብዘለዉ ይሁዳን የሩሳሌምን ከኣ ንዮስያስ ሐዘኑሉ።
25 ኤርምያስ ድማ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፡ ኲሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ መልቀሶም ብዛዕባ ዮስያስ ይዛረቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ንስርዓት ገበርዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ልቕሶ ተጽሒፉ ኣሎ።
26-27 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተጽሒፉ ዘሎ ናይ ለውሃት ተግባሩን፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ነገሩ ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ።

 

1 ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ።
2 ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ።
3 ንጉስ ግብጺ ኣብ የሩሳሌም ሰዐሮ፡ ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ።
4 እቲ ንጉስ ግብጺ ድማ ንሓዉ ኤልያቂም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ፡ ስሙውን ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ፡ ንዮኣሓዝ ሓው ግና ነóኮ ሒዙ ናብ ግብጺ ወሰዶ።
5 ዮያቂም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ክፉእ ገበረ።
6 ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ደየቦ እሞ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ኢሉ ብመቑሕ ኣስራዚ ኣሰሮ።
7 ነግካድነጻር ካብ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ሒዙ ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ፡ ኣብ መቕደሱ ኣብ ባቢሎን ከኣ ኣቐመጦ።
8 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ጽያፉን ብእኡ እተረኽበ ዘበለን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ የያኪን ነገሰ።
9 ዮያኪን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ።
10 እታ ዓመት ምስ ሐለፈት ድማ፡ ንጉስ ነብካድነጻር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ከክቡራት ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንጼድቅያስ ሓዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ።
11 ጼድቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ።
12 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሐተን።
13 ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነብካድነጻር ድማ ዐለወ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስሲ ክሳዱ ኣትረረ ልቡውን ኣጽንዔ።
14 ብዘለዉ ሊቃነ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጽያፍ ኣረማውያን ኣዝዮም ብዙሕ ኣበሱ። ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት እግዚኣብሄርውን ኣርከስዋ።
15 ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ።
16 ግናኸ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ፡ ፈውሲውን ክሳዕ ዚስእን፡ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ፡ ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም።
17 ስለዚ ንሱ ንንጉስ ከልዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። ንሱ ኸኣ ነጒባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሴፍ ቀተሎም፡ ንመንእሰይን ንድንግልን ንዓብይን ንሽያብን ኣይራሕርሓሎምን። ንዂሎም ናብ ኢዱ ኣሕለፎም።
18 ንዂሉ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ዓብይን ንኡስን፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ ንጉስን መኳንንቱን ድማ፡ ኲሉ ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
19 ነታ ቤት ኣምላኽ ኣንደድዋ፡ ነቲ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣፍረስዎ፡ ኣደራሻታ ዘበለ ዂሉውን ብሓዊ ኣንደድዎ፡ ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኡ ድማ ኣጥፍኡ።
20 ነቶም ካብ ሴፍ ዘምለጡ ዘበሉ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፡ መንግስቲ ፋርስ ክሳዕ እትገዝእ፡ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ዀኑ።
21 እተን ሰብዓ ዓመት ክሳዕ ዚመልኣ፡ እታ ምድሪ ኣብ ክንዲ እተን ሰናብታ ኽሳዕ እትከሐስ፡ ባዲማ ኸላ ሰናብቲ ኣብዐለት። እዚ ኸኣ እቲ ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ።
22 በታ መጀመርያ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና እቲ ብኣፍ ኤርምያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ደረኾ። ኣብ ብዘላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፡
23 ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ መንግስትታት ኲላ ምድሪ ሀበኒ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ ኣዘዘኒ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቢ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ይደይብ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...