ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ዕዝራ (Ezra)

እዝራ ነቶም ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ኻልኣይ ጕጅለ ኣይሁድ ዝመርሖም ዝነበረ (እዝራ 7 11–26)። እዝራ ንኣምላኽን ንሕጊ ኣምላኽን ዝነበሮ ፍቕሪ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኣብ ልዕሊ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኣብ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ንእተወሰኑ ኣይሁድ ናብ እስራኤል ከም ዚመርሖም ገበሮ። መጽሓፍ እዝራ ነቲ ኻብ 538 ቅ. .C ጀሚሩ ንሓደ ዘመን ዚኸውን ካብ ምርኮ ባቢሎን ኣብ እተመልሰሉ እዋን ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘጋጠመ ፍጻመ እተወፈየት እያ። ዕላማ እዝራ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ንምህናጽ እዩ ነይሩ ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብፍላይ ብዘርኢ ኣሮን ክህነት ዝመስረተሉ ምኽንያት ዝገልጽ ብዙሕ ናይ ወለዶ መዛግብቲ ሒዛ ኣላ

መጽሐፈ ዕዝራ (Ezra)

1 ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንግስቱ ድማ ብቓል ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ።
2 ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ፡ ንሱ ኸአ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ።
3 ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኮም ዘሎ ኸአ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ይደይብ።
4 ኣብ ኩለን ቦታ ሰደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዚወሀብሲ፡ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሐግዝዎ።
5 ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሑ ኺድይቡ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዝደረኾ ዘበሉ ተላዕሉ።
6 እቶም ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ኹላቶም ከአ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ዝሀብዎ ህያብ፡ ብቕሓ ብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ህያባትን ኣእዳዎም ደገፍ።
7 ነቲ ነቡክዳነጻር ካብ ዮርዳሌም ኣውጺኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ከአ፡ ንጉስ ቂሮስ ኣውጽኦ።
8 ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፡ ብኢድ ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጽኢ ንሹም ይሁዳ፡ ንሽሽባጸር፡ ፈቒዱ ሀቦ።
9 ፍቕዱ ኸአ እዚ እዩ፡ ጭሔሎ ወርቂ ሰላሳ፡ ጭሔሎ ብሩር ሽሕ፡ ካራታት ዕስራን ትሽዓተን፡
10 ጽዋእ ወርቂ ሰላሳ፡ ካልእ ዓይነት ጽዋእ ብሩር ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን፡ ካልእ ኣቕሓ ኸአ ሽሕ።
11 ኩሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም ኪድይቡ ኸለው፡ ሸሽባጻር ነዚ ኹሉ ኣደየቦ።

1 እቶም ደቂ ሃገር፡ ነቡክነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ እተመልሱ እዚኣቶም እዮም።
2 እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ሰራያ፡ ርዔላይ፡ ማርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጳር፡ ቢግዋይ፡ ረሑም፡ ባዓና እዮም።
3 ደቂ ፈርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
4 ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
5 ደቂ ኣርሓ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን።
6 ደቂ ፋሓት-ሞኣብ ካብ ደቂ እያሱ ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
7 ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
8 ደቂ ዛቱ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
9 ደቂ ዘካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን።
10 ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።
11 ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
12 ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
13 ደቂ ኣዶኒቃም ሹዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን።
14 ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን።
15 ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
16 ደቂ ኣጤር ካብ ዓሌት ህዝቅያስ ተስዓን ሾሞንተን
17 ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
18 ደቂ ዮራህ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
19 ደቂ ሓሹም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
20 ደቂ ጊበር ተስዓን ሓሙሽተን።
21 ደቂ ቤት-ልሄም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
22 ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሹዱሽተን።
23 ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
24 ደቂ ዕዝማዌት ኣርብዓን ክልተን።
25 ደቂ ቂርያት-ዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።
26 ደቂ ራማን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
27 ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ሓደን።
28 ሰብ ቤት-ኤልን ዓይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
29 ደቂ ኔቦ ሓምሳን ክልተን።
30 ደቂ ማግብሽ ሚእትን ሓምሳን ሹዱሽተን።
31 ደቂ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
32 ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።
33 ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን።
34 ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
35 ደቂ ሰናኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን።
36 ካህናት፡ ደቂ የዳዕያ ካብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።
37 ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።
38 ደቂ ፋሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዐተን።
39 ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን።
40 ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱን ቀድሚኤልን፡ ካብ ደቂ ሆዳውያ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን።
41 ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
42 ደቂ ኣጋፈርቲ፡ ደኢ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቑብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ እዚኣቶም ኩላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን።
43 ነቲነም፡ ደቂ ጸሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣብዖት፡
44 ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓህ፡ ደቂ ፋዶን፡
45 ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ዓቑብ፡
46 ደቂ ሓጋብ፡ ደቂ ሻምላይ፡ ደቂ ሓናን፡
47 ደቂ ጊዳል፡ ደቂ ጋሓር፡ ደቂ ረኣያ፡
48 ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቖዳ፡ ደቂ ጋዛም፡
49 ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ፡ ደቂ ቤሳይ፡
50 ደቂ ኣሰና፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሲም፡
51 ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡
52 ደቂ ባጽሎት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡
53 ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲስራ፡ ደቂ ታማሕ፡
54 ደቂ ነጺኣሕ፡ ደቂ ሓጢፋ።
55 ደቂ ገላው ሰሎሞን፡ ደቂ ሰጣይ፡ ደቂ ሰፋረት፡ ደቂ ፋሩዳ፡
56 ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደጊ ጊደል።
57 ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶኮረት-ሃጸባይም፡ ደቂ ኣሚ።
58 ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
59 እዚኣቶም ድማ ካብ ተል-ሜላሕን ካብ ተል-ሓርሻን ካብ ካሩብኣዳንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ እዮም እሞ፡ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ኪነግሩ ዘይከአሉ፡
60 ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን።
61 ካብ ደቂ ኻህናት ከአ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ባርዚለይ እዮም።
62 እዚኣቶም ጽሕፈት ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይረኽቡን፡ ስለዚ ኸም ርኹሳት ካብ ካህናት ተኸልከሉ።
63 እቲ ቲርሻታ ኸአ፡ ንኡሪምን ንቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚትንስእ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ በሎም።
64 ኩሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓንን ክልተን ሽሕኝ ሰለሰተ ሚእትን ስሳን ነበረ።
65 ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ ንሳቶም ሾዉዓተ ሽሕ ነበሩ። ዚዝመሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእቲ ነበርዎም።
66 ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰሳን ሽድሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡
67 ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ።
68 ገላ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከአ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ቦትኣ ኺሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሀቡ።
69 ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዚኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ብሩር፡ ልብሰ ኽህነት ድማ ሚእቲ ሀቡ።
70 ካህናትን ሌዋውያንን ገላ ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ከአ ኣብ ከተማታቶም፡ እስራኤል ድማ ኩላቶም ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።

 

1 እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ መጸት ድማ፡ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም ምስ ተቐመጡ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ።
2 ሽዑ እያሱ ወዲ ዪጻዳቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን ኣሕዋቱን፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እተጻሕፈ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርበሉ ተንሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።
3 ነቲ መሰውኢ ኸአ ኣብታ ቦትኡ ኣንበርዎ። በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለው ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣዕረጉ፡ ብጊሓት ምሸትን ኣዕረጉ።
4 ከምቲ ጽሑፍ ድማ በዓል ዳስ ኣብዐሉ፡ ከምቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ቑጽሪ፡ መዓልቲ ንመዓልቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ።
5 ድሕርዚ ድማ እቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዚስውእዎን ኣዕረጉ።
6 ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።
7 ንወቐርቲ እምንን ንጸረብቲ ዕጨይትን ድማ፡ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘሎም ገንዘብ ንሲዶናውያናን ንጢሮሳውያንን ዕጨይቲ ቄድሮስ ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ያፎ ምእንቲ ኼምጽኡሎም፡ መብልዕን መስተን ዘይትን ሀቡ።
8 ናብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ካብ ዝመጹ ኸእ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ዘሩባቤል ወዲ ሸአልትኤልን እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያን እቶም ካብ ምርኮ ናብ ዮርሳሌም ዝመጹ ኹላቶምን ኮይኖም ቤት እግዚኣብሄር ከሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከአ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዕዮ ቤት እግዚኣብሄር ኪሕልው ኣቖምዎም።
9 ሽዑ እያሱ ምስ ደዉን ኣሕዋቱን ቃድሚኤልን ደቁን፡ ደቂ ይሁዳ፡ ደቂ ሔናዳድ ከአ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶምን ሌዋውያን ኮይኖም፡ ነቶም ዕዮ ቤት ኣምላኽ ዚዐዩ ኺሕልው ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ።
10 እቶም ሃነጽቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኪስርቱ ኸለው ኸአ እቶም ካህናት ድማ ለቢሶም መለኸት ሒዞም፡ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከአ ጸናጽል ሒዞም፡ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ደው ኢሎም ነበሩ።
11 ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ኸአ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም እናተቓባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ኹላቶም ኸአ፡ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፡ ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
12 ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረገውቲ ኸአ፡ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሰረተት፡ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
13 እቲ ህዝቢ ብሓጎስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸአ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸአ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጎስ ካብ ድምጺ ብኽያት እቲ ህዝቢ ኺፈልዩ ኣይከአለን።

 

1 እቶም ጸላኣቲ ይሁዳን ብንያምን ከአ፡ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፡
2 ናብ ዙሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም፡ ንሕና ኸአ ከማኻትኩም ኣምላኽኩም ንደሊ ኣሎና፡ ካብታ ኤሳርሓዶን ንጉስ ኣሶር ናብዚ ዘምጽኣና፡ መዓልቲ ጀሚርና ድማ ንእኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎም።
3 ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት እስራኤልን ግና፡ ንሕናስ ከምቲ ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደአ ንሰርሓሉ እምበር፡ ንስኻትኩም ምሳና ዃንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሕሉ ኣይግብአኩምን እዩ በልዎም።
4 ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፡ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርህዎም።
5 ነቲ ምኽሮም ኬፍርሱ ድማ መኻሮ ተሻየጡሎም። እዚ ኸአ ብኹሉ ዘመን ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።
6 ኣሓሽዌሮሽ ምስ ነገሰ ድማ፡ ብመጀመርታ መንግስቱ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳን ዮርሳሌምን ዚነብሩ ኽሲ ጸሓፉ።
7 ብዘመን ኣርታሕሻስታ ኸአ ቢሻም፡ ሚትሬዳት፡ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብጾቱን ናብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ጸሐፉ። ጽሕፈት እታ ደብዳበ ኸአ ብኣራማይስጢ ተጻሒፉ ነበረ እሞ፡ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጎመት።
8 ረሑም እቲ ሹምን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸምዚ ኢሎም ኣንጻር ዮርሳሌም ደብዳበ ጸሐፉ።
9 ሽዑ ረሑ, እቲ ሹምን ሽምሻይ ጸሓፍን እቶም ዝተረፉ ብጾቶም ዲናውያንን ኣፋርሳትካውያንን ጣርጳላውያንን ኣፋርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሽሻንካውያንን ዴዳውያንን ኤልማውያንን፡
10 እቶም እቲ ዓብይን ክቡርን ኦሰናፍር ኣግዒዙ ኣብ ከተማ ሰማርያ ዘቐመጦም ካልኦት ህዝብታትን እቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር ክንየው ርባን፡ … ወዘተኮይኖም ጸሓፉ።
11 ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዚ እዩ፡ እቶም ሰብ ስግር ክንየው ርባ ባሮትካ፡ ወዘተ…
12 እቶም ካባኻ ዝደየቡ ኣይሁድ፡ ናባና ኣብ ዮርሳሌም ከም ዝመጹ እሞ ነታ ዓለወኛን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለው፡ መካበብያኣ ኸአ ከም ዝፈጸሙ መሰረታ ድማ ከም ዘጽንዑ፡ ንጉስ ይፍለጥ።
13 ሕጂ ኸአ እዛ ኸተማ እዚኣ እተን ተሰሪሓ፡ መከባቢኣውን እንተ ተሓዲሱ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከም ዘይህቡ እሞ፡ መዝገብ ንጉስ ከም ዚጉዳእ፡ ንጉስ ይፍለጥ።
14 እምበኣርሲ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ ካብ እንበልዕ፡ ጉድኣት ንጉስ ስቕ ኢልና ኽንርኢ ዘይግብኣና እዩ፡ ስለዚ ልኢኽና ንንጉስ ኣፍለጥናዮ።
15 ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ኣቦታትካ ይመርምሩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዓላዊት ከተማ ኸም ዝኾነት፡ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጎድኤት፡ ካብ ጥንቲ ኸአ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ኽትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት።
16 እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደአ ተሰሪሓ፡ መከባብያኦ ኸአ እንተ ተሓዲሱ፡ ስግር ክንየው ርባ ኽፍሊ ኸም ዜብልካ፡ ንንጉስ ንነግር ኣሎና።
17 ንጉስ ኣብ ረሑም ሹምን ኣብ ሺምሻይ ጸሓፍን ኣብቶ ኣብ ሰማርያን ኣብ ካልእን ኣብ ስግር ክንየው ርባ ዝተረፉ ብጾቶምን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፡ ሰላም፡ ወዘተ…
18 እታ ናባና ዝሰደድኩዋ ደብዳበ ብግልጺ ኣብ ቅድመይ ተነቢቡ።
19 ኣነ ድማ ኪምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፡ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ነገስታት ከም ዝተንስኤት፡ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም እተገብረ ተረኸበ።
20 ኣብ ዮርሳሌም ከአ ንስግር ርባ ዝነብረ ኹሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከአ ንኣታቶም ይወሀብ ነበረ።
21 እምበኣርሲ ኻባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዚወሀብ፡ እቶም ሰባት ስራሕ ኪሓድጉ፡ እታ ኸተማ ኸኣአ ከይትስራሕ፡ ኣዝዙ።
22 በዚ ነገር እዚ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። ስለምንታይ እቲ ንነገስታት ዚጎድእ ክፉእ እናበዝሔ ዚኸይድ።
23 እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ ቅድሚ ረሑምን ሽምሻይ ጸሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብጾቶምን ምስ ተነበት፡ ቀልጢፎም ናብ ዮርሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፡ ብቕልጽምን ብሓይልን ካብ ምዕያይ ኣብኮርዎም።
24 ሽዑ ዕዮ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በኾረ፡ ክሳዕ እታ ኻልኣይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ከአ በኾረ።

 

1 እቶም ነብያት ከአ፡ ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ዚነብሩ ኣይሁድ፡ ንኣታቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዮሎም።
2 ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ተንስኡ፡ ኣብ ዮርሳሌም ቤት ኣምላኽ ኪሰርሑ ኸአ ከመሩ። ምሳታቶም ኮይኖም ድማ ነብያት ኣምላኽ ይድግፍዎም ነበሩ።
3 በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ስግር ክንይወ ርባ መስፍን ዝነበረ ታትናይን ሽታር-ቦዝናይን እቶም ብጾቶምን መጺኦም ከምዚ በልዎም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሕዋ፡ ነዚ መካበብያ እዚውን ክትሕድሱ መን አዘዘኩም፡
4 ሽዑ ኸምቲ ዝኾነ ጊርና ስም እቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዝዐየዩ ሰባት ነገርናዮም።
5 ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓአይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንዳርዮስ ክሳዕ ዚግሩን ምላሹ ድማ ብዛዕባኡ ደብዳበ ኽሳዕ ዚመጽእን፡ ነቲ ዕዮ ኣየብኮርዎምን።
6 እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባ ታትናይን ሽታር-ቦዝናይን እቶም ስግር ክንየው ርባ ዚነብሩ ብጾቶም ኣፍሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዋ ደብዳበ፡ ቅዳሓ እዚ እዩ።
7 ናብኡ ደብዳበ ሰደዱ፡ ኣብኣ ኸአ ከምዚ ተጸሒፉ ነበረ፡ ኩሉ ሰላም ንንጉስ ዳርዮስ።
8-9 ንሕና ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዩ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፡ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸአ ብኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ትንደቕ አላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕጻው ይግበሮ ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ ብጥንቃቐ ይዕየ፡ ኣብ ኣእዳዎም ከአ ይሰልጠሎም አሎ። ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፡ ነዚ መካበብያ እዚውን ክትሕድሱ፡ መን አዘዘኩም፡ ኢልና ጠየቕናዮም።
10 ስም እቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለው ሰባት ምእንቲ ኽንጽሕፍ ኸነፍልጠካ ኢልና፡ ስሞም ሐተትናዮም።
11 እቲ ዝመለሱልና ቓል ከአ እዚ እዩ፡ ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ተሰሪሓ ዝነበረት፡ ሓደ ዓብዩ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑ አእኪልዋ ዝነበረ ቤት ድማ ንሰርሕ ኣሎና።
12 ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣኾረይዎ ግና፡ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣሓሊፉ ሀቦም። ንሱ ኸአ ነዛ ቤት እዚኣ ኣፍረሳ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾ።
13 ንቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ኣብ መጀመርታ ዓመቱ ግና እዛ ቤት ኣምላኽ ክትሰራሕ ንጉስ ቄሮስ ኣዘዘ።
14 እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡካድነጽር ካብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ መቕደስ ወሲዱ፡ ናብ መቕደስ ባቢሎን ዚግዐዞ፡ ንጉስ ቂሮስ ካብ መቕደስ ባቢሎን ኣውጽኡ ሸሽባጻር ንዚብሀል መስፍን ገይርዎ ዝነብረ ሀቦ።
15 እዚ ኣቓሑ እዚ ውሰድ እሞ ኪድ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፡ እታ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣብታ ቦታኣ ትሰራሕ በሎ።
16 ሽዑ ሽሽባጻር መጺኡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ሰረታ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኸአ ክሳዕ ሕጂ ትስራሕ ኣላ፡ ገና ድማ ኣይተፈጸመትን።
17 እምበኣር ንንጉስ ከምዚ እንተ ደአ ባህ ኣቢልዎስ፡ እዛ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽና ክትስራሕ፡ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተአዚዙ እንተ ደአ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዝገብ ንጉስ ይድለ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኸአ ንጉስ ፍቓዱ ይልአኸልና።

 

1 ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ኣብታ ኣብ ባቢሎን ምዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረት ቤት መጻሕፍቲ ኺደልዩ ኣዘዘ።
2 ኣብ ኣሕመታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣደራሽ እዚ ነገር እዚ ነምዘከርታ እተጻሕፎ ሐደ ኽታብ ተረኽበ።
3 ብቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ እዚ ትእዛዝ እዚ አዘዘ፡ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ፡ እታ መስዋእቲ ዚስውኡላ ቦታ፡ እታ ቤት ትሰራሕ፡ መሰረታ ጽኑዕ ይኹን። ቁመታ ስሳ እመት፡ ምግፍሓ ኸአ ስሳ እመት፡
4 ኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕጨይቲ ይኹን። ዋጋኡ ግን ካብ ቤተ ንጉስ ይከፈል።
5 እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡክነጻር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኸአ፡ ኣብ መቕደስ ዮርሳሌም ናብ ቦትኡ ይመለስ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣንብሮ።
6 እምበአር ኣታ ታትናይ መስፍን ስግር ክንየው ርባ፡ ንስኻ ሽታር-ቦዝናይ ንስኻትኩም ከአ ብጾቶም ሰብ ኣፍርሳክ፡ ስግር ክንየው ርባ ዘሎኹም፡ ካብኡ ርሓቑ።
7 እቲ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ይተዐየ ሕደግዎ፡ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይትን ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ቦታኣ ይስርሕዋ።
8 ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትግብረሎም ዚግባእ፡ እቲ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰርሑ፡ እቲ ዕዮውን ምእንቲ ኸይበኩርሲ፡ እቲ ዚኸፈል ካብቲ ኻብ ክንየው ርባ ዝወጸ ግብሪ፡ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ኪወሀብ ኣዘዝኩ።
9-10 ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከአ ኪጽልዩሉስ፡ ኩሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እትም ኣብ ዮርሳሌም ዘለው ኻህናት ዝበሉኹም ኩሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም።
11 ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝለወጠ ዘበለ ሰብ ድማ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይውሰዱ እሞ ተኺሎም ኣብኡ ይሸንክርዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቤቱ ጎዱፍ ክትከውን አዚዘ ኣሎኹ።
12 ነዚ ኺልውጥን ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬፍርሳን ኢሉ ኢዱ ዚዝርግሕ ዘበለ ንጉስን ህዝብን ድማ፡ እቲ ስሙ ኣብኣ ዘሕደረ ኣምላኽ የጥፍአዮ። ኣነ ዳርዮስ አዘዝኩ፡ ብጥንቃቐ ይግበርዎ።
13 ሽዑ ታትናይ፡ እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባን፡ ሽታር፦ቦዝናይን እቶም ብጾቶምን ፡ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝአዘዘ፡ ብጥንቃቐ ገበርዎ።
14 እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከአ ሰርሑ፡ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ዐየዮም ፈጸምዎ።
15 እታ ቤት ድማ ብሳድሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ፡ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈጸመት።
16 ደቂ እስራኤል፡ ካህናትን ሌዋውያንን ኩሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፡ ነቲ ምቕዳስ ቤት ኣምላኽ ተሓጒሶም ኣብዐልዎ።
17 ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከአ ሚእቲ ዝራብዕ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑል፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንኹላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ።
18 ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸአ፡ ካህናት በብስርዓቶም፡ ሌዋውያን በብኽፍሎም፡ ኣብ ዮርሳሌም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኣቖሙ።
19 እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኸኣ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲጋ ኣብዐሉ።
20 ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ነጺሆም ነበሩ እሞ፡ ኩላቶም ነጽሁ። ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ፋስጋ ሓረዱ።
21 እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ ኹላቶምን በልዑ።
22 እግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ፡ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሓጎስዎም እዩ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጎስ ኣብዐሉ።

 

1 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ኸአ ብመንግስቲ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ እዝራ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ ሒልቂያ፡
2 ወዲ ሻሎም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ ኣሒጡብ፡
3 ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ መርዮት፡
4 ወዲ ዘራሕያ፡ ወዲ ዑዚ፡ ወዲ ቡቂ፡
5 ወዲ ኣቢሺዓ፡ ወኢድ ፊንሃስ፡ ወዲ ኤልዓዛር፡ ወዲ ኣሮን ሊቀ ኻህናት፡
6 እዚ እዝራ እዚ ኻብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሀቦ ሕጊ ሙሴ ፍጡን ጸሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ ዝደለዮ ኹሉ ንጉስ ሀቦ።
7 ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ ዘመርትን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ነቲኒምን ከአ ብሳብዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ምስኡ ናብ ዮርሳሌም ደየቡ።
8 ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ንጉስ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ ናብ ዮርሳሌም መጸ።
9 ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ኪድይቡ ጀመሩ፡ እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረት፡ በታ ሓምሰይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ዮርሳሌም መጸ።
10 እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከአ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ።
11 ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንእዝራ እቲ ኻህን እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል እተዋህበ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ዚጽሕፍ ጸሓፊ፡ ዝሀቦ ደብዳበ ቅዳሓ እዚ እዩ።
12 ካብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ነገስታት፡ ንእዝራ ኻህን፡ ፈላጥ ጸሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ሰላም፡ ወዘተ…
13 ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ ዮርሳሌም ኪኸይድ ዚደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ኹሉ፡ ምሳኻ ይኺድ። ኢለ አዚዘ ኣሎኹ።
14-16 በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።
17 ሕጂ ድማ በዚ ገንዘብ እዚ ጌርኩም ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስቲኦምን ተጊህካ ተሻየጥ እሞ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦ።
18 በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከአ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየካ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ።
19 እቲ ንምግልጋል ቤት ኣምላኽካ እተዋህበካ ኣቓሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዮርሳሌም ሀብ።
20 ንቤት ኣምላኽካ ዜድሊ ኽትህብ ዚግብኣካ ኻልእ ነገር ከአ ካብ ቤት መዝገብ ንጉስ ሀቦ።
21-22 ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ድማ ነቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው ኹሎም ተሓዝቲ መዛግብቲ ኣዘዝኩ፡ እዝራ ኻህን፡ እቲ ጸሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ፡ ካባኻትኩም ዚድልዮ ዘበለ ኽሳዕ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን ክሳዕ ሚእቲ ባት ወይንን ክሳዕ ሚእቲ በት ዘይትን፡ ጨው ከአ ብዘይ ስፍሪ ተጊህኩም ሀብዎ።
23 እቲ ኣምላኽ ሰማይ ዝአዘዞ ዘበለ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሀብ። ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቁጥዓ ዚመጽእ።
24 ንኹሎም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ነዚ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፡ ገለ ግብርን ፈሰስን ተጎን ኪወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣሎና።
25 ንስኻ እዝራ ድማ፡ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ኽንየው ርባ ዘሎ ኹሉ ህዝቢ ዚዳንዩ፡ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዚፍልጡ ኹላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ግበረሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ ከአ ምሀርዎ።
26 ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይገብር ከኣ ወይ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ ወይ ንማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ።
27-28 ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኬኽብር ኢሉ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኩላቶም ሓያላት ሓላቑ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸአ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኩ፡ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ሓላቑ አከብኩ።

 

1 እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፡ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸኣ መጽሓፍ ወለዶኦም እዚ እዩ፡
2 ካብ ደቂ ፊንሃስ፡ ጌርሾም ካብ ደቂ ኢታማር፡ ዳንኤል፡ ካብ ደቂ ዳዊት፡ ሓጡሽ።
3 ካብ ደቂ ሽካንያ፡ ካብ ደቂ ፈርዖሽ፡ ዘካርያስ ከምቲ ጽሕፈት ወለዶኦም ከአ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ተባዕታይ ተቖጽሩ።
4 ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ፡ ኤልይሆዔናይ ወዲ ዘራሕያ፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ተባዕታይ።
5 ካብ ደቂ ሸካንያ፡ ወዲ ያሓዚኤል፡ ምስኡ ኸአ ሰለስተ ሚእቲ ተባዕታይ።
6 ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፡ ዔቤድ ወዲ ዮናታን፡ ምስኡውን ሓምሳ ተባዕታይ።
7 ካብ ደቂ ዔላም ከአ፡ ይሻዕያ ወዲ ዓታልያ፡ ምስኡውን ሰብዓ ተባዕታይ።
8 ካብ ደቂ ሽፈጥያ ድማ፡ ዛብድያ ወዲ ሚካኤል፡ ምስኡውን ሰማንያ ተባዕታይ።
9 ካብ ደቂ ዮኣብ፡ ዖባድያ ወዲ የሒኤል፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ተባዕታይ።
10 ካብ ደቂ ሸሎሚት ከኣ፡ ወዲ ዮሲፍያ፡ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ተባዕታይ።
11 ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፡ ምስኡውን ዕስራን ሶሞንተን ተባዕታይ።
12 ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፡ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፡ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ተባዕታይ።
13 ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕሮት ስሞም እዚ እዩ፡ ኤሊፈለጥን የዒኤልን ሸማዕያን፡ ምሳታቶምውን ስሳ ተባዕታይ።
14 ካብ ደቂ ቢግዋይ ከኣ፡ ዑታይን ዛቡድን፡ ምሳታቶምውን ሰብዓ ተባዕታይ።
15 ናብ ኣሃዋ ኣቢሉ ናብ ዚውሕዝ ርባ ድማ ኣከብክዎም ኣብኡ ሰፊርና ኸአ ሰለስተ መዓልቲ ገበርና። ኣብ ህዝብን ኣብ ካህናትን ድማ ደሌኹ እሞ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
16 ሽዑ ሓላቑ፡ ንኤሊዔዝር፡ ንኣሪኤል፡ ንሸማዕያ፡ ንኤልናታንን ንያሪብን ንኤልናታንን ንናታንን ንዘካርያስን ንመሹላምን፡ ነቶም መምህራን ከአ፡ ንዮያሪብን ንኤልናታንን ጸዋዕኩ።
17 ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፡ ናብ ኢዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ካሲፍያ ዝነበሩ ኢዶን ኣሕዋቱ ነቲኒምን ንቤት ኣምላኽ ኣገልገልቲ ምእንቲ ኺሰዱልና ኸአ፡ ኪዛረብዎ ዚግብኦም ቃላት ኣብ ኣፎም ኣንበርኩ።
18 ከምታ ኣብ ልዕሌና ዝነበረት ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኸአ፡ ካብ ደቂ ማሕሊ ኣዝዩ ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል፡ ሸረብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ሾሞንተ ኣምጽኡልና።
19 ሓሻብያ፡ ምስኡ ድማ ይሻዕያ ኻብ ደቂ መራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ።
20 ካብ ነቲኒም ድማ ዳዊትን ሓላቑን ንሌዋውያን ኬገልግሉ ዘመዘዝዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ነቲኒም፡ ነዚኣቶም ኩላቶም በብስሞም እተጸውዑ ሰደዱልና።
21 ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ።
22 ንንጉስ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዚደልይዎ ኹላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዚሓድግዎ ኹላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኼድሕኑና፡ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሐንኽኩ።
23 ብዛዕባ እዚ ኸአ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።
24 ካብ ሊቃነ ኻህናት ከአ ዓሰርተው ክልተ፡ ሸረብያን ሓሻብያን፡ ምሳታቶም ድማ ካብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈሌኹ።
25 እቲ ንጉስን መማኽርቱን ሓላቑኡን፡ እቶም ካብ እስራኤል እተረኸቡ ኹላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ህያቦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዘንኩሎም።
26-27 ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ብሩር፡ ኣቓሑ ብሩር ድማ ሚእቲ ታለንት ወርቂ ኸአ ሽሕ ዳሪክ እተመዝነ፡ ክለ ጭሔሎ ድማ ከም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ጽሩይ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ እተሰርሔ ኣቓሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሀብክዎም።
28 ንኣታቶም ድማ፡ ንስኻትኩም ንእግዚብሄር እተቐደስኩም ኢኹም፡ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣትትኩም ናይ ፍቓድ ህያብ እዩ።
29 ኣብ ቅድሚ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሌዋውያንን ኣብ ቅድሚ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣብ ዮርሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቀቑን ሓልውን፡ በልክዎም።
30 እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ናብ ዮርሳሌም ናብ ቤት ኣምላኽና ኺወስድዎ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ብሚዛን ተቐበሉ።
31 ብቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸአ ናብ ዮርሳሌም ክንከይድ፡ ካብ ርባ ኣሃዋ ተለዐልና። ኢድ ኣምላኽና ድማ ኣብ ልዕሌና ነበረት እሞ ኣብ መገዲ ኻብ ኢድ ጸላእን ካብ ድብቕን ኣድሐነትና።
32 ናብ ዮርሳሌም ድማ በጻሕና፡ ኣብኣ ኸአ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥና።
33 በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ብሩርን ወርቅን እታ ኣቓሑን ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ መሬሞት ወዲ ኻህን ኡርያ ተመዝነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሃስ ነበረ፡ ምሳታቶም ከአ እቶም ሌዋውያን ዩዛበድ ወዲ እያሱ፡ ኖዓድያ ወዲ ቢኑእ ነበሩ።
34 ኩሉ ተቖጽረን ተመዝነን፡ በቲ ጊዜ እቲ ኸአ ኩሉ እቲ እተመዝነ ተጻሕፈ።
35 እቶም ኣብ ምሮኮ ነይሮም ዝመጹ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዚሐርር መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፡ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዓት ስለ ኹሎም እስራኤል፡ ተስዓን ሹዱሽተን ድዑል፡ ሰብዓን ሾብዓተን ገንሸል፡ ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኸአ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዚ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ነበረ።
36 እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ስግር ክንየው ርባ ንዝነበሩ መሳፍንትን ሀብዎም። ንሳቶም ከአ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።

 

1 እዚ ነገር እዚ ምስ ተወድኤ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉ፡ ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንሲ ኻብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈልዩን፡ ኤረ ኸምቲ ናይ ከነኣናውያን፡ ናይ ሔታውያን፡ ናይ ፈረዛውያን፡ ናይ ይቡሳውያን፡ ናይ ዓሞናውያን፡ ናይ ሞኣባውያን፡ ናይ ግብጻውያን፡ ናይ ኣሞራውያን ጽያፍ ይገብሩ ኣለው።
2 እዚ ኸአ ንኣታቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፡ ነቲ ቅዱስ ዘርኢ ምስ ኣህዛብ እዘን ሀገራት እዚኤን ስለ ዝጸንበሩ እዩ። ነዚ ዓመጻ እዚ ዝጀመረውን ኢድ እቶም ሓላቑን መኳንንትን እዩ።
3 ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፡ ጸጉሪ ርእሰይን ጭሕመይን ከአ ነጼኹ፡ ሐዚነ ድማ ኮፍ በልኩ።
4 ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዚፈርሁ ኹላቶም ብዛዕባ ዓመጻ እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ናባይ ተአከቡ። ኣነ ኸአ ክሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዒ ሐዚነ ኾፍ በልኩ።
5 ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።
6 በልኩ ድማ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በደልና ኽሳዕ ልዕሊ ርእስና በዚሑ ዓመጻና ኸአ ክሳዕ ሰማይ ዐብዩ እዩ እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ኸየልዕልሲ የሕፍረንን የፍርሃንን።
7 ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓብዩ ዓመጻ ኣሎና። ብዛዕባ በደልና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፡ ሎሚ ኸም ዝኾነ፡ ንሴፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገጽን ክንከውን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተወሀብና።
8 ሕጂ ድማ ገለ ተረፍ ኪሐድገልና ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሸኻል ክሀበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኼብርሃልናን፡ ኣብ ባርነትና ድማ ገለ ቕሩብ ትንፋስ ኪህበና፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸም ቅጽበት ዓይኒ ምሕረት ኮነልና።
9 ንሕድስ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ድማ ሓጹር ምእንቲ ኺወሀበና፡ ንሳቶም ትንፋስ ኪህቡናስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረት መለሰልና እምበር፡ ኣምላኽና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን።
10-12 ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋንሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡
13 እቲ ብድሕሪ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ እቲ ዓብዩ ዓመጽናን ዝረኸበና ኹሉ ነገር፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ከም በደልና ኻብ ዘይቀዘፍካና፡ ከምዚ ዝበለ ተረፍ ከአ ዝሀብካናስ፡
14 መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኣፍሪስና ምስ እዞም ጽያፍ ዚገብሩ ኣህዛብ ክንዋሰብ ኢና፡ ዚተርፍን ዚመልቑን ዜልቦ ኽሳዕ እንውዳእዶ እዩ ቑጥዓኻ ኣብ ልዕሌና ኣይምነደደን፡
15 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፡ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኔና፡ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዐመጽና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል የልቦን።

 

1 እዝራ እናጸለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገጹ ወዲቑ ኸሎ፡ ካብ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ኣኼባ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቀለውዕን ናብኡ ተአከበ። እቲ ህዝቢ ከኣ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።
2 ካብ ደቂ ዔላም ሸካንያ ወዲ የሔኤል ንእዝራ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕጂ ኸአ በዚ ነገር እዚ ንእስራኤል ገና ተስፋ አሎ።
3 እምበአርሲ ሕጂ ኸም ምኽሪ ጐይታይን እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሁን፡ ከምቲ ሕጊ ድማ ኪግበርን ንኹለን ኣንስትን እቶም ካባታተን ኣተወልዱን ክንሰደድ፡ ምስ ኣምላኽና ኺዳን ንአቱ።
4 እዚ ነገር እዚ ተግባርካ እዩ እሞ ተንስእ፡ ተቢዕካ ግበሮ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።
5 ሽዑ ኸአ እዝራ ተንሲኡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንኹላቶም እስራኤልን ከምዚ ነገር እዚ ኽገብሩ ኣምሓሎም፡ ንሳቶም ከአ መሐሉ።
6 እዝራ ድማ ካብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ተንሲኡ፡ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ ኸይዱ ኸአ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጉሂ ነበረ እሞ እንጌራ ኣይበልዔን ማይ ኣይሰተየን።
7 እቶም ደቂ ምርኮ ኹሎም ናብ ዮርሳሌም ኪእከቡ ድማ ኣብ ዩሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ።
8 ከም ምኽሪ እቶም ሓለቓታትን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ገንዘቡ ይወረስ፡ ንሱ ድማ ካብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወጹ ይፈለ።
9 በተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኩሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ። ንሳ ኻብታ ታስዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኩሎም እቶም ህዝቢ በዚ ነገር እዝን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እና ኣንቀጥቀጡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
10 እዝራ ኻህን ከአ ብድድ ኢሉ፡ ንስኻትኩም ንዓመጽ እስራኤል ከተብዝሑ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታኩም በደልኩም።
11 ሕጂ ኸአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙ፡ ፍቓዱውን ግበሩ፡ ካብ ህዝብታት እዛ ሃገርን ካብተን ጓኖት ኣንስትን ተፈለዩ በሎም።
12 ሽዑ ኹሎም እቶም ኣኼባ ቓሎም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፡ ሕራይ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብኣና ኢዩ።
13 እቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ጊዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን።
14 እቶም ሓላቑና ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዚረኸበና ነዳዲ ቑጥዓ ኣምላኽና ኻባና ኽሳዕ ዚምለስሲ፡ እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኣብ ከተማታትና ዘለው፡ ምሳታቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ኹለን ከተማታትን ብምዱብ ግዚያት ይምጽኡ።
15 ዮናታን ወዲ ዓሳህኤልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ጥራይ ነዚ ተቓወምዎ፡ መሹላምን ሾብታይ ሌዋውን ከአ ሓገዝዎም።
16 እቶም ደቂ ምርኮ ኸአ ከምኡ ገብሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኩላቶም በብስሞም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዚ ነገር እዚ ኽምርምሩ ኾፍ በሉ።
17 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኹሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ።
18 ካብ ደቂ ኻህናት ከአ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ተረኸቡ፡ ካብ ደቂ እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ኣሕዋቱን ድማ፡ ማዓሰያን ኤሊዔዘርን ያሪብን ገዳልያን፡
19 ንሳቶም ኪሰዱ ኣእዳዎም ሀቡ። በደልቲ ኾይኖም ከአ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ ድዑል ሰውኡ።
20 ካብ ደቂ ኢመር ድማ፡ ሓናኒን ዝባድያን።
21 ካብ ደቂ ሓሪም ከአ፡ ማዓስያን ኤልያን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዚያን።
22 ካብ ደቂ ጳሽሑርውን፡ ኤል-ዮዔናይ፡ ማዕሰያ፡ እስማዔል፡ ንታንኤል፡ ዮዛባድን ኤልዓሳን።
23 ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ዮዛባድን ሺምዓን ቄላያን፡ ንሱ ቅሊጣ እተባህለ፡ ጴታሕያ፡ ይሁዳ፡ ኤልዔዘር ከአ።
24ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ። ካብ ኣጋፈርቲውን፡ ሻሎምን ጠለምን ኡሪን።
25 ካብ እስራኤል ከአ ካብ ደቂ ፋርዖሽ፡ ራምያን ዩዝያን ማልክያን ሚያሚን ኤልዓዛርን ማልክያን በናያን።
26 ካብ ደቂ ዔላም ድማ፡ ማታንያን ዘካርያን የሒኤልን ዓቢዲን ይሬሞትን ኤልያን።
27 ካብ ደቂ ዛቱውን ኤልዮዔናይ” ኤልያሺብ፡ ማታንያን ይሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን።
28 ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ይሆሓናን ሓናንያን ዘበይን ዓትላይን።
29 ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላም ማሉክ፡ ዓዳያ፡ ያሹብ፡ ሸኣልን ይራሞትን።
30 ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ ከአ፡ ዓድና፡ ክላል በናያ ማዓሰያ፡ ማታንያ ብጻልኤል፡ ቢኑኢን ምናሴን።
31 ካብ ደቂ ሓሪም ድማ፡ ኤልዔዘር ዮሺያ፡ ማልኪያ፡ ሸማዕያ፡ ሽምዖን፡
32 ቢንያሚን፡ ማሉክ ሽማርያ።
33 ካብ ደቂ ሑሹም መትናይ፡ ማታት፡ ዛባድ ኤልፈለጥ፡ ይሬማይ ምናሴ፡ ሺምዒ።
34 ካብ ደቂ ባኒ፡ ማዓዳይ፡ ዓምራም፡ኡኤል ከአ፡
35 በናይ፡ ቤድያ፡ ክሉሂ፡
36 ዋንያ፡ መሬሞት፡ ኤልያሺብ፡
37 ማታንያ፡ ማትናይ፡ የዓሳው ድማ፡
38 ባኒን ቢኑኢን ሺምዓን፡
39 ሸለምያን ናታንን ዓዳያን፡
40 ማክናድባይ ሸሻይ፡ ሻራይ፡
41 ዓዛርኤል ሸለምያን ሽማርያን።
42 ሻሎም፡ ኣምርያ፡ ዮሴፍ።
43 ካብ ደቂ ኔቦ፡ ይዒኤል፡ ማቲትያ፡ ዛባድ፡ ዘቢና፡ ያዳይ፡ ዮኤልንን በናያን።
44 እዚኣቶም ኩሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፡ ካባታተንውን ዝወለዳ ኣንስቲ ነበራ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...