ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ነህምያ (Nehemiah)

ነህምያ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ኣሰላፍ መስተ ንጉስ ፈርሳውያን ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ከም እተጐድኡን እቲ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዝነበረ መካበብያ ኸም ዝፈረሰን ምስ ፈለጠ ጾመ ጸለየ። ንጉስ ኣርታሕሻስታ ነህምያ ተመሊሱ ንመካበብያእታን ኣፍ ደገታትን እታ ኸተማ ኺሃንጽ ፈቐደሉ። ነህምያ ናብ የሩሳሌም ተመሊሱ ንኣይሁድ ምጽራር እናሃለዎም ክነሱ ንመካበብያ እታ ኸተማ ዳግም ኪሃንጽዎ መርሖም።

መጽሐፈ ነህምያ (Nehemiah)

1 ዘረባ ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኮነ ድማ፡ ካብ መበል ዕስራ ዓመት ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበርኩ።
2 ሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮርሳሌምን ሐተትክዎም።
3 ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሐኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉን፡ ኣብኡ ኣብታ ሃገር፡ ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለው፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከአ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒ።
4 ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ።
5 በልኩ ኸአ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ዓብዩን መፍርህን ኣምላኽ፡ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ድማ ንዚሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፡
6 እቲ ንኣኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘሎኹ፡ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤልን ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎትን ክትሰምዕ፡ በጃኻ ኣእዛንካ ጽን ይበላ፡ ኣዒንትኻውን ይከፈታ።
7 ንሕና ኣዚና ንኣኻ ዐጊብና እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሐሎናዮን።
8 በጃኻ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝአዘዝካዮ ዘክር፡ እንተ በደልኩምኒ፡ ኣነ ኸአ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ።
9 ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹም፡ ኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዚህልው፡ ካብኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኺሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ።
10 ንሳቶም ብዓብዩ ሓይልኻን ብጽንዕቲ ኢድካን እተበጀኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም።
11 ዎ ጐይታይ፡ በጃኻ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸአ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ። – ኣነ ሽዑ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ነበርኩ።

1 ኮነ ኸአ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ብወርሒ ኒሳን፡ ኣብ ቅድሚኡ ወይኒ ነበረ፡ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸአ፡ ንንጉስ ሀብክዎ። ቀደም ኣብ ቅድሚኡ ጉሁይ ኣይነበርኩን።
2 እቲ ንጉስ ከአ፡ ዘይሐመምካ ኽነስኻ ገጽካ ጉህዩ፡ እንታይ ዄንካ ኢኻ፡ እዚ ኻልእ ነገር ኣይኮነን፡ ጓሂ ልቢ ደኣ እዩ በለኒ። ሽዑ ኣዝየ ፈርህኩ።
3 ንንጉስ ከአ፡ ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር፡ እታ ቤት መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ፈሪሳ፡ ደጌታታውን ብሓዊ ተወዲኤን ከለዋ ደአ፡ ከመይ ገይረ ገጸይ ዘይጽልም፡ በልክዎ።
4 እቲ ንጉስ ከአ፡ እንታይ እሞ ትደሊ፡ በለኒ። ሽዑ ኣነ ኣብ ኣምላኽ ሰማይ ጸሌኹ።
5 ንንጉስ ድማ፡ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ጊልያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደአ ኣሐጉሱካስ ነታ ኸተማ መቓብር ኣቦታተይ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ በልክዎ።
6 እቲ ንጉስ ከአ፡ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ ኸላ፡ ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካ፡ መኣዝከ ትምለስ፡ በለኒ። ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቖሪጸ ነገርክዎ፡ እዚ ነቲ ንጉስ ባህ ኣበሎ ሰደደኒ ኸአ።
7 ንንጉስ ድማ፡ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ፡ ምድሪ ይሁዳ ኽሳዕ ዝአቱ ምእንቲ ኼሕልፉኒ፡ ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሰሎ፡ ናይ ንጉስ ፈቓድ ደብዳበ ይወሀበኒ፡
8 ንኣሳፍ ሓላው ዱር ንጉስ ድማ ነታ ቤት ግምብን ደጌታትን፡ ነታ ኸተማ ኸኣአ መካበብያን ኣነ ንዝአትዋ ቤትውን ክሰርሓሉ ኣእዋም ኪህበኒ፡ ደብዳቢ ሀበኒ በልክዎ። ከምታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ዝነበረት ከአ፡ ንጉስ ሀበኒ።
9 ናብ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ ድማ መጻእኩ። እቲ ናይ ንጉስ ደብዳቤታት ከአ ሀብክዎም። እቲ ንጉስ ድማ ሓላቑ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ።
10 ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ዚሐስበሎም ሰብ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዑ፡ ዓብዩ ጓሂ ጓሀዩ።
11 ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩ፡ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥኩ።
12 ኮነ ኸአ ብለይቲ ተንሳእኩ፡ ሒደት ሰባትውን ምሳይ ነበሩ። እቲ ኣነ ንዮርሳሌም ክገብረላ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሀበኒ ኸአ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። ብዘይ እታ ኣነ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንሳሳ ኸአ ካልእ እንስሳ ኸአ ምሳይ ኣይነበራንን።
13 ብለይቲ ድማ በታ ስንጭሮ ደገ ወጻእኩ፡ ኣብ መንጽር ዔላ ገበልን ኣብ ደገ መጉሓፍን ኣቢለ ኸአ፡ እቲ ወድኣ ደጌታትን ርኤኹ።
14 ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓጽቢ ንጉስን ከአ ሐለፍኩ። እታ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ሰአንኩ።
15 ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ርባ ርባ እናደየብኩ ነቲ መካበብያ እርእዮ ነበርኩ። ተመሊሰ ድማ በታ ናይ ስንጭሮ ደገ አቶኹ፡ ከምዚ ኢለ ተመለስኩ።
16 እቶም ሓላቑ ግና ኣነ ዝኸድክዎን ኣነ እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ድማ ንኣይሁድን ንኻህናትን ንኸበርተን ንመሳፍንትን ነቶም ዝተረፉ ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩን ምንም ኣይነገርኩን።
17 ሽዑ ኣነ፡ ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ ሓሳረ መከራ ኸም ዘሎና ንስኻትኩም ትርእዩ ኣሎኹም፡ ዮርሳሌም ባዲማ፡ ደጌታታ ኸአ ብሓዊ ተወዲኤን። እምበኣርሲ ንድሕርዚ መላገጺ ኸይንኸውን፡ ንዑናይ፡ መካበብያ ዮርሳሌም ንስራሕ፡ በልክዎም።
18 እታ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ሕያወይቲ ኸም ዝኾነትን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንልዐል እሞ ንስራሕ፡ ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን።
19 ሳንባላጥ እቶ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ጌሸም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፡ ኣላገጹልና ነዐቑናን እሞ፡ እዚ ንስኻትኩም እትገብሮ ነገር እንታይ እዩ፡ ንስኻትኩምሲ ኻብ ንጉስዶ ኽትዐልዉ ትደልዩ ኣሎኹም ድማ በሉ።
20 ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ዮርሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎም።

1 ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ከአ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ኣባጊዕ ነደቕዎ ቀደስዎ ኸአ፡ መዓጹኡውን ኣቁሙሉ። ክሳዕ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ቀደስዎ።
2 ሰብ ያሪኮ ኸአ ኣልጊቦም ነደቑ። ዛኩር ወዲ ኢምሪውን ኣልጊቡ ነደቐ።
3 ደቂ ሰናኣ ድማ ደገ ዓሳ ነደቑ፡ ልዳት ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ኸአ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ድማ ገበሩሉ።
4 መሬሞት፡ ወዲ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ከአ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ። መሹላም ወዲ በረክያ፡ ወዲ መሻዛብኤል ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ።
5 ተቆዓውያን ከአ ኣልጊቦም ኣዐረዩ። እቶም ክቡራቶም ግና ክሳዶም ናብቲ ዕዮ ጎይትኦም ኣየበሉን።
6 ዮያዳ ወዲ ጳሴሓን መሹላም ወዲ ቦሳድያን ከአ ነቲ ኣረጊት ደገ ኣዐረይዎ፡ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ።
7 ምሳታቶም ድማ መላጥያ እቲ ጊብዖናውን ያዶን እቲ መሮኖታውን እቶም ሰብ ጊብዖንን ሚጽጳን ንመንበር መስፍን ክንየው ርባ ዚግዝኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ።
8 ዑዚኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ኣንጠረኛታት ወርቂ ኸአ ምስኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ። ቡዙኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ኣንጠረኛታት ወርቂ ኸአ ምስኡ፡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ሃናንያ ኻብቶም ገብርቲ ሽቱ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ንዮርሳሌም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ትኹን ሓደግዋ።
9 ረፋያ ወዲ ሁር፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ዮርሳሌም ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ጸገነ።
10 የዳያ ወዲ ሓሪማፍ ከኣ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ሓጡሽ ወዲ ሓሻብ ኒያ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ።
11 ማልኪያ ወዲ ሓሪምን ሓሹብ ወዲ ጳሓት-ሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግምቢ እቶንን ኣዐረዩ።
12 ሻሎም ወዲ ሃሎሔሽ፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት የሩሳሌም፡ ንሱን ኣዋልዱን ከአ ምስኡ ኣልጊቦም ኣዐረዩ።
13 ሓኑንን ኣብ ዛኖኣሕ ዚነብሩን ንደገ እቲ ለሰ ኣዐረይዎ፡ ንሳቶም ንደቕዎ፡ መዓጺኡ ድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ። ናይቲ መካባብያ ኸአ ክሳዕ ደገ እቶ ጎዱፍ ሽሕ እመት ሰርሑ።
14 ማልክያ ወሲ ሬካብ፡ ሓላቓ ግዝኣት ቤት ሃካሬም ከአ ንደገ ጎዱፍ ኣዐየ። ንሱ ነደቖ መዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ።
15 ሻሉን ወዲ ኮል-ሖዜ፡ ሐለቓ ግዝኣት ሚጽጳ ድማ ንደገ ዔላ ኣዐረዮ፡ ንሱ ነደቖ ኸደኖ ኸአ፡ ንመዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበረሉ፡ ድማ መንደቕ እቲ ምስቲ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ሓጽቢ ሽላሕ፡ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዜውርድ መሳልል ሰርሔ።
16 ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፡ ሐለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቤት-ጹር፡ ክሳዕ መንጽር መቓብራት ዳዊትን ክሳዕ እቲ ብጥበብ እተሰርሔ ሓጽብን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ኣዐረየ።
17 ብድሕሪኡ ሌዋውያን፡ ሬሑም ወዲ ባኒ ኣዐረዮ። ምስኡ ሓሽብያ፡ ሓለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ፡ ኣብ ክንዲ ግዝኣቱ ኣዐረየ።
18 ብድሕሪኡ ኣሕዋቶም፡ ባዋይ ወዲ ሔናዳድ፡ ሓለቓ እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ ኣዐረዩ።
19 ዔዘር ወዲ የሹዓ፡ ሓለቓ ሚጽጳ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ቤት ኣቕሑ ዜደይብ፡ ኣብቲ መአዝን ኣዐረዩ።
20 ብድሕሪኡ ባሩክ ወዲ ዛባይ ካብቲ መአዝን ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ ቤት ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ኣዐረየ።
21 ብድሕሪኡ መሬሞት ወዲ ኡርያ፡ ወዲ ሃቆጽ፡ ካልእ ክፍሊ ኻብ ደገ ቤት ኤልያሺብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሺብ ኣዐረየ።
22 ብድሕሪኡ ኸአ እቶም ካህናት፡ እቶም ናይቲ ጎልጎል ሰባት ኣዐረዩ።
23 ብድሕሪኦም ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ኣዐረዩ። ብድሕሪኦም ኣዛርያ፡ ወዲ ማዓሳያ ወዲ ዓንናንያ፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣዐረየ።
24 ብድሕሪኡ ቢኑኢ ወዲ ሔናዳድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያ ኽሳዕ እቲ መኣዝንን ክሳዕ ካልእ መኣዝንን ኣዐረየ።
25 ጳላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንጽር እቲ መኣዝንን እቲ ኻብ ላዕላይ ቤት ንጉስ ውጹእ ዘሎ ግምብን ኣብ ጥቓ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ጳዳያ ወዲ ጳርዖሽ ኣዐረየ።
26 እቶም ነቲኒም ከአ ኣብ ዖፌል ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ብወገን ምብራቕን፡ ክሳዕ እቲ ውጹእ ዝነበረ ግምብን ይቕመጡ ነበሩ።
27 ብድሕሪኡ እቶም ተቖዓውያን ካልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ውጹእ ዓብዩ ግምብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልብ ኣዐረዩ።
28 እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ ደገ ኣፍራስ ዘሎ መመንጽር ቤቶም ኣዐረዩ።
29 ብድሕሪኦም ጻዶቅ ወዲ ኢመር ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ድማ ሽማዕያ ወዲ ሸካንያ፡ ሓላው ደገ ምብራቕ፡ ኣዐረየ።
30 ብድሕሪኡ ሃናንያ ወዲ ሸለምያን ሓኑን ሳዳይ ወጺ ጸላፍን ካልእ ክፍሊ ኣዐረዩ። ብድሕሪኡ መሹላም ወዲ በረክያ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ።
31 ብድሕሪኡ ማልክያ፡ ወዲ እቲ ኣንጠረኛ ወርቂ፡ ክሳዕ ቤት እቶም ነቲኒምን ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንጽር ደገ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መአዝን ኣዐረየ።
32ኣንጠረኛታት ወርቅን ነጋዶን ከአ ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መአዝንን ኣብ መንጎ ደገ ኣባጊዕን ዘሎ ኣዐረዩ።

 

1 ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዔ፡ ተቖጥዔን ኣዝዩ ኾረየን እሞ ንኣይሁድ ኣላገጸሎም።
2 ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ስቕ ኢልናዶ ንሕደጎም፡ ኪስውኡዶ እዮም፡ ብሓደ መዓልቲዶኸ ይውድእዎ፡ ነቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ኹምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ፡
3 ጦብያ እቶ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቕኡ ነበረ፡ ንሱ ኸአ፡ እንተ ዚሰርሕዎ እኳ፡ እቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶ፡ ኪፈርስ እዩ፡ በለ።
4 ዎ ኣምላኽና፡ ስማዕ ተናዒቕና ኢና እሞ፡ ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ንብዝበዛ ናብ ሃገር ማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሀቦም።
5 ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣኾርዮምኻ እዮም እሞ፡ ክፍኣቶም ከአ ኣይትሕብኣሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ።
6 እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸአ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ ኣሎ።
7 ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ መካበብያ ዮርሳሌም ከም ዝሰለጠን፡ እቲ ፍራሳታውን ኪዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቖጥዑ።
8 ኩላቶም ሓደ ኾይኖም መጺኦም ንዮርሳሌም ኪወግኡን ኬሸብሩን ተማሓሓሉ።
9 ሽዑ ኣብ ኣምላኽና ጸሌና፡ ካባታቶም ኪሕልውና ኸአ ብመንጽሮም ለይትን መዓልትን ሓለውቲ ኣቖምና።
10 ይሁዳ ድማ፡ ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፡ እቲ መሬት ከአ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚ ንሕና መካበብያ ኽንዐዩ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ።
11 እቶም ጸላኣትና ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ክሳዕ እንኣቱ ኣይኪፈልጡን ኣይኪርእዩን እዮም፡ ሽዑ ክንቀትሎም፡ ነቲ ዕዮውም ከነትርፎ ኢና፡ በሉ።
12 ኮነ ኸአ፡ እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ኣይሁድ ምስ መጹ፡ ካብ ኩለን ቦታታት ናባና ተመለሱ፡ ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ተዛረቡና።
13 ስለዚ ኣነ ነቲ ህዝቢ ብድሕሪ መካበብያ፡ በቲ ታሕታይ ቦታ ኣብ ቃልዕ ስፍራታት በብዓሌታቶም ኣስያፎምን ኩናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ኣበልክዎም።
14 ርእየ ድማ ተንሳእኩ፡ ንኸበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ፡ ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ፡ ስለ ኣሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ፡ በልክዎም።
15 ኮነ ድማ፡ እቶም ጸላእትና እዚ ነገር እዚ ኸም እተፈለጠና፡ ኣምላኽ ከአ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ኩላትና ናብቲ መካበብያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ዕዩኡ ተመለስና።
16 ኮነ ኸአ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻክረይ ፍርቆም ነቲ ዕዮ ይዐዩ ነበሩ፡ ፍርቆም ድማ ኩናውትን ዋላቱን ቀስትታትን ድርዕታትን ሐዙ። እቶም ሓላቑ ኸአ ብድሕሪ ኹላቶም ቤት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ።
17 እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩ፡ ብሓደ ኢዶም ከአ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ።
18 እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ።
19 ንኽበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ድማ፡ እቲ ዕዮ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፡ ንሕና ኸአ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓድሕድና ርሒቕና፡ ኣብ መካበብያ ፋሕ ኢልና ኣሎና፡
20 ደሃይ መለኸት ኣብ እትሰምዑላ ቦታ፡ ናብኣ፡ ናብ ጥቓና ተአከቡ፡ ኣምላኽና ምእንታና ኪዋግኣልና እዩ ፡ በልክዎም።
21 ከምዚ ኢልና ኣብቲ ዕዮ ንዐዮ ነበርና፡ ፍርቆም ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳዕ ክዋኽብቲ ዚወጹ፡ ኩናውቲ ሐዙ።
22 በታ ጊዜ እቲኣ ኸአ ነቶም ህዝቢ፡ ለይቲ ሓለውቲ ኪኾኑና መዓልቲ ድማ ኪዐዩስ፡ ነፍስ ወከፍ መምስ ጊልያኡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ይሕደሩ፡ በልክዎም።
23 ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዐቡኒ ዝሕልው ሰብን፡ ንሕና ኽዳውንትና ኣየውጻእናን። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ።

 

1 እቶም ህዝብን ኣንስቶምን ከአ፡ ኣብቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ።
2 ገሊኦም፡ ንሕናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና፡ ኣምበኣርሲ ኽንበልዕ እሞ ክንድሕን እኽሊ ሀቡና፡ ዚብሉ ነበሩ።
3 ገሊኦም ድማ፡ ጠሚና፡ እኽሊ ኽንዕድግሲ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ይብሉ ነበሩ።
4 ገሊኦም ከኣ፡ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ንግብሪ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና፡
5 ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከን ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣሎና፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይ ንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ።
6 ኣነ ኸአ ጭራሕ ምራሖምን እዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝዩ ተቐጣዕኩ።
7 ብልበይ መኺረ ድማ፡ ነቶም ከበርተን ሓላቑን፡ ከመይ ኢልኩም ነፍሲ ወከፍ ነንሓው ብሓረጣ ተለቅሑ አለኹም፡ ኢለ ዘለፍክዎም። ናብ ልዕሊኦም ዓብዩ ኣኼባ ኣኪበ ኸአ፡
8 ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና፡ ከም ዓቕምና ተበጀናዮም። ንስኻኩምከ ኣሕዋትኩምዶ ባዕላትኩም ክትሸጡ ኢኹም፡ ንሳቶምሲ ነፍሶምዶ ኺሸጡልና እዮም፡ በልክዎም። ሽዑ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ።
9 ኣነ ኸአ፡ እዚ እትገብርዎም ዘሎኹም ነገርስ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቶም ጸላእትና ኣሕዛብ ከይትጸርፉስ፡ ከምይ ብፍርሃት ኣምላኽና ዘይትኸዱ፡
10 ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም ኣሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም።
11 ግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከአ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም።
12 ንሳቶም ከአ፡ ንመልስ፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ኸምኡ ንገብር፡ በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ጸዊዔ ኸም እዘን እተዛረብወን ቃላት ኪገብሩ ኣምሓልክዎም።
13 ኣነ ድማ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዘይፍጸም ኩሉ ሰብሲ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምኡ ይንገፎ፡ እዎ፡ ከምኡ ንጉፍን ጥራዩን ይኹን፡ ኢለ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ባርኖስ ነገፍኩ። ኩሉ እቲ ኣኼባ ኸአ፡ ኣሜን፡ በለ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ። እዚ ህዝቢ ኸአ ከም እዚ ዘረባ እዚ ገበረ።
14 ድማ ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሹሞም ክኽውን እተአዘዝኩላ መዓልቲ፡ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሹማምቲ ዚግባእ እንጊራ ኣይበላዕናን።
15 እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምቲ ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካባታቶም እንጌራን ወይንን ደሓር ከአ ኣርብዓ ሚትቃል ብሩር ይወስዱ ነብሩ። እቶም ገላውኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ፡ ከምኡ ኣይገበርኩን።
16 ኣብቲ ዕዮ እቲ መካበብያ ኸአ ኤዔሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይተሻየጥናን እሞ ኩሎም እቶም ገላዎይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተአኪቦም ነበሩ።
17 ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመጹና ኣህዛብ፡ ካብ ኣይሁድን ሓላቑን ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ መአሰይ ይምገቡ ነበሩ።
18 ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሹድሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን እዩ፡ ንኣይ ከአ ካብ ኣዕዋፍ ይዳለውለይ ነበረ፡ በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ ነበረ። ምስናይ እዚ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ እቲ ዕዮ ኺቢድዎ ነበረ እሞ፡ እቲ ንሽመተይ እተገብኣኒ ምግቢ እኳ ሀቡኒ ኣይበልኩን።
19 ዎ- ኣምላኸይ፡ እዚ ኹሉ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ።

1 ኮነ ኸአ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ገሽም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ጸላእትናን ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕክዎ፡ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ኸአ ገለ ኸም ዘይተረፈ ምስ ሰምዑ፡- ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓጹ ኣብቲ ደጊታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።
2 ሳንባላጥን ገሸምን ከአ፡ ንሳቶም ክፉእ ኪገብሩኒ ሓሲቦም ነበሩ እሞ፡ ንዓ፡ ኣብ ጎልጎል ኦኖ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ንራኸብ፡ ኢሎም ለአኹለይ።
3 ኣነ ድማ፡ ኣነስ ዓብዩ ዕዩ እዐዩ አለኹ እሞ ክወርድ ኣይከአለንን፡ ሰልምንታይ፡ ነቲ ዕዮ ሓዲገ ናባኻትኩም እንተ ወረድኩ፡ ንሱ ኺበኩር እዩ፡ ኢለ ለአኽኩሎም።
4 እዚ ነገር እዚ ድማ ኣርባዕተ ሳዕ ለአኹለይ። ኣነ ኸአ ንኣታቶም ከምዛ ዘረባ እዚኣ ገይረ መለስኩሎም።
5 ሽዑ ሳንባላጥ ከምዛ ነገር እዚኣ ኽፍትቲ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ፡ ሓምሳይ ጊዜ ጊልያኡ ለአኸለይ።
6 ኣብኣ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ ነበረ፡ ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፡ ጋሽሙ ኸአ ይብሎ ኣሎ። ምእንቲ እዚ ድማ መከባብያ ከም ዝደሌኻውን፡ ይብሀል ኣሎ።
7 ድማ ኣብ ዮርሳሌም ብዛዕባኻ፡ ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ፡ ኢሎም ዚእውጁ ነብያት ኣቕምካ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ ንጉስ ኪስማዕ እዩ እሞ፡ ሕጂ ንዓ፡ ብሓንሳእ ዃንና ንማኻኸር።
8 ሽዑ ኣነ፡ ካብ ልብኻ ዘንቃሕካዮ እዩ እምበር፡ እዚ ንገር እዚ ኸምዚ ንስኻ እትዛረቦ ኣይኮነን፡ ኢለ ለአኽኩሉ።
9 ከመይሲ እቲ ዕዮ ከይዕየ ኣእዳዎም ኪድኽማ እየን እሞ፡ ነቲ ዕዮ ኺሐድግዎ እዮም፡ እናበሉ ኹላቶም ኬስምብዱና ደልዮም እዮም። ሕጂ ኸአ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣእዳወይ ኣጽንዕ።
10 ኣነ ኸአ ናብ ቤት ሻማዕያ፡ ወዲ ደለያ ወዲ መሄጣብኤ፡ ኣቶኹ። ንሱ ድማ ተዓጽዩ ነበረ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ውሽጢ መቕደስ ብሓደ ንራኸብ፡ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም፡ እወ፡ ብለይቲ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ደገ ቤት መቕደስ ንዕጸዎ፡ በለኒ።
11 ኣነ ኸአ ከማይ ዝበለ ሰብኣይዶ ይሀድም፡ ከማይ ዝበለስ ምእንቲ ኺድሕን ኢሉ፡ ናብ መቕደስ ዚአቱ መን እዩ፡ ኣነስ ኣይአቱን፡ በልኩ።
12-13 ጦብያን ሳንባላጥን ደአ ንሱ ኼፍርሃኒ እሞ ፈርሄ ሓጢኣት ክገብርን፡ ንኣይ ክፉእ ኬውርዩለይን ኬላግጹለይን ኢሎም ዋጋ ሂቦምዎ፡ ብገንዘብ ሐቢሎምዎ፡ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ ኣስተውዐልኩ።
14 ዎ ኣምላኸይ፡ ንጦብያን ንሳንባላጥን ንኖኣድያ ነብዩትን ነቶም ዝተረፉ ዚፋራርሁኒ ነብያትን ብዛዕባ እዚ ግብሮም እዚ ዘክሮም።
15 እቲ መካባብያ ኻብ ወርሒ ኤሉል በመበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ፡ ተፈጸመ።
16 ኮነ ኸአ፡ ኩሎም ጸላእትና ምስ ሰምዕዎ፡ ኣብ ዙርያና ዚነብሩ ኹሎም ህዝብታት ፈርሁ፡ እዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም እተፈጸመ ፈለጡ እሞ፡ ኣብ ኣዒንቶም ሕሊናኦም ዐረቦም።
17 በተን መዓልትታት እቲኤን እቶም ከበርተ ይሁዳ ብዙሕ ደብዳቤታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፡ ካብ ጦብያ ድማ ናባታቶም ይመጽእ ነበረ።
18 ከመይሲ ጦብያ ምስ ሸካንያ ወዲ ኣራህ ሕምነት ነበሮ፡ ዮሓናን ወዱ ኸአ ጓል መሹላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ኾይኖም ተማሓሒሎም ነበሩ።ብሕያውነቱ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፡ ዘረባይ ከአ ይነግርዎ ነበሩ። ጦብያ ድማ ኬፈራርሃኒ ኢሉ፡ ደብዳቤታት ሰደደ።

1 ኮነ ኸአ፡ እቲ መከባብያ ምስ ተነድቀ፡ መዓጹ ኣቖምኩሉ፡ ሐለውቲ ደገን ዘመርትን ሌዋውያንን ድማ ኣብ ዔዕዮኦም ተመዘዙ።
2 ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ኣብ ግምቢ ሓለቓ ዝነበረን፡ ንሱ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለጸ እሙንን ፈራህ ኣምላኽን ነበረ እሞ፡ ኣሕሉቕ ዮርሳሌም ገበርክዎም።
3 ንኣታቶም ድማ፡ ጸሓይ ክሳዕ ዚመሙቕ፡ ደጌታት ዮርሳሌም ኣይርሖ፡ እቲ ደጌታት ከአ ገና እቶም ሐለውቲ ደው ኢሎም ከለው፡ ኪዕጾን ኪሽጎርን፡ ነቶም ህዝቢ ዮርሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብታራኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከአ ቀቅድሚ ቤቱ ይሐሉ። በልክዎም።
4 እታ ኸተማ ኸአ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ማኣከላ ዚነብሩ ህዝቢ ግና ሒዶት ነበሩ፡ እተን ኣባይቲ ድማ ኣይተሰርሓን ነበራ።
5 ነቶም ከበርተን ንሹማምትን ንህዝብን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ኺጸሓፉ፡ ክእክቦም ድማ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ሀበኒ። ናይቶም ቅድም ዝደየቡ ኸአ እቲ መጽሓፍ ወለዶታት ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸአ ከምዚ ዚብል ጽሑፍ ረኸብኩ።
6 እቶም ደቂ ሃገር ነቡክነጸር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ፡ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳን፡ ነፍስ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ፡ እዚኣቶም እዮም፡
7 እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ዓዛርያ፡ ራዓምያ፡ ናሓማኒ፡ ሞርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጵረት፡ ቢግዋይ፡ ነሑም፡ ባዓና። ቁጽሪ ሰብ ህዝቢ እስራኤል እዚ እዩ፡
8 ደቂ ፋርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
9 ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
10 ደቂ ኣራሕ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተ።
11 ደቂ ፋሓት-ሞኣብ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን።
12 ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
13 ደቂ ዛቱ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
14 ደቂ ዛካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን።
15 ደቂ ቢኑኢ ሹድሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን።
16 ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
17 ደቂ ዓዝጋድ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
18 ደቂ ኣዶኒቃም ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሾብዓተን።
19 ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ስሳን ሾብዓተን።
20 ደቂ ዓዲን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን።
21 ደቂ ኣጤር፡ ካብ ዓሌት ህዝቅያስ፡ ተስዓን ሾሞንተን።
22 ደቂ ሓሹም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተ።
23 ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን።
24 ደቂ ሓሪፍ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
25 ደቂ ጊብዖን ተስዓን ሓሙሽተን።
26 ሰብ ቤት-ልሄምን ነጦፋን ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን።
27 ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
28 ሰብ ቤት-ዓዝማዌት ኣርብዓን ክልተን።
29 ሰብ ቂርያት-ይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።
30 ሰብ ራማህን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን።
31 ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
32 ሰብ ቤት-ኤልን ዓይን ሚእትን ዕስራን ሰለሰተን።
33 ደቂ ኻልአይቲ ኔቦ ሓምሳን ክልተን።
34 ደቂ ኻልኣይቲ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
35 ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።
36 ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
37 ደቂ ሎድን ሓዲድን ኣኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን።
38 ደቂ ሰናእህ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን።
39 ካህናት ድማ፡ ደቂ የዳዕያ ኻብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።
40 ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።
41 ደቂ ፈሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን።
42 ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን።
43 ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱ፡ ካብ ቃድሚኤል፡ ካብ ደቂ ሆዴዋ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን።
44 ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን።
45 ሓለውቲ ደገ፡ ደቂ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደኢቅ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቁብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ ሚእትን ሰላሳን ሾሞንተን።
46 ነቲኒም፡ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት፡
47 ደቂ ቂሮስ፡ ደቂ ሲዓ፡ ደቂ ፋዶን፡
48 ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ሻልማይ፡
49 ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር፡
50 ደቂ ረአያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ፡
51 ደቂ ጋዛም፡ ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ፡
52 ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሽሲም፡
53 ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡
54 ደቂ ባጽሊት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡
55 ድቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ፡
56 ደቂ ነጺሓ፡ ደቂ ሓጢፋ፡
57 ደቂ ገላው ሰሎሙን፡ ደቂ ሶጣይ፡ ደቂ ሶፌሬት፡ ደቂ ጰሪዳ፡
58 ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል፡
59 ደቂ ሽፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ፎክሬት-ሓጸባይም፡ ደቂ ኣሞን።
60 ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
61 እቶም ካብ ቴል-መላሕን ካብ ቴል-ሓርሻን ካብ ክሩብ-ኣዶንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ ድማ እዚኣቶም እዮም። ግናኸ ንሳቶም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ካብ እስራኤል ምዃኖም ኬፍልጡ ኣይከአሉን፡
62 ደቂ ደለያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።
63 ካብ ካህናት ከአ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ ባርዚለይ፡ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚለይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ እሞ ብስሞም እተሰምየ እዩ፡
64 እዚኣቶም መጽሓፍ ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይተረኸበን፡ ስለዚ ኻብ ክህነት ተኸልከሉ።
65 እቲ ቲርሻታ ከአ ብኡሪምን ቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚሽየም፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ፡ በሎም።
66 ኩሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ።
67 ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ እዚኣቶም ሾብዓተ ሽሕን ስለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን እዮም። ዚዝምሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም።
68 ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሹዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡
69 ኣግማል ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበርዎም።
70 ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቲ ዕዮ ህያብ ሀቡ። እቲ ቲርሻታ ነቲ መዝገብ ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓምሳ ጽዋእ፡ ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ክዳን ካህናት ሀበ።
71 ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዕስራ ሽሕ ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕን ዳታለንት ብሩርን ሀቡ።
72 እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ዝወፈይዎ ኸአ ዕስራ ሽሕን ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ስሳን ሾብዓተን ክዳን ካህናትን እዩ።
73 ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን ገሊኡ ህዝብን ነቲኒምን ኩላቶም እስራኤልን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ በጽሔት ድማ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኦም ነበሩ።

1 እቶም ህዝቢ ኹላቶም ከአ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ኣብ ዘላ ገፋሕ ቦታ ተአከቡ። ንእዝራ እቲ ጸሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝአዘዞ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኼምጽአሎም ተዛረብዎ።
2 ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኸአ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ኪሰምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኩላቶምን ነቲ ሕጊ ኣምጽኦ።
3 ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ኸአ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን ኬስተውዕሉ ዚኽእሉ ኹላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። ኣእዛን ኩሉ እቲ ህዝቢ ድማ ንመጽሓፍ ሕጊ ኺሰምዕ ጽን ይብል ነበረ።
4 እዝራ እቲ አሓፊ ኸአ ኣብ ልዕሊ እቲ ነዚ ነገር እተሰርሔ ጸፍጻፍ ዕጨይቲ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ ብየማኑ ድማ ማቲትየን ሸማዕን ዓናያን ኡርያን ሒልቂያን ማዓሰያን፡ ኣብ ጸጋሙ ኸአ ጰዳያን ሚሻኤልን ማልኪያን ሓሹምን ሓሽባዳናን ዘካርያን መሹላምን ደው ኢሎም ነበሩ።
5 እዝራ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ኾይኑ አነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እቲ ህዝቢ ነቲ መጽሓፍ ገንጸሎ። ምስ ገንጸሎ ኸአ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ደው በለ።
6 እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኩሎም ህዝቢ ኸአ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።
7 ድማ እያሱን ባኒን ሸረብያን ያሚን፡ ዓቁብ፡ ሻብታይ፡ ሖዲያ፡ ማዓሰያ፡ ቀሊጣ፡ ዓዛርያ፡ ዮዛባድ፡ ሓናን፡ ጵላያ፡ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ ሕጊ ይምህርዎ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቦታኦም ደዊ ኢሎም ነበሩ።
8 ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበበሎም፡ እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ፡ ገለጸሎም።
9 ኩሎም እቶም ህዝቢ ቓል ሕጊ ኺሰምዑ ኸለው። ይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ ነህምያ እቲ ትርሻታን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን፡ እቶም ህዝቢ ዜስተምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንኹሉ እቲ ህብዚ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን በልዎም።
10 ንሱ ኸአ ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑ፡ ዝጠዐመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም ዜብሎም ከአ ግዲኦም ስደድሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጎስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጉሀዩ፡ በሎም።
11 እቶም ሌዋውያን ከአ ንኹሎም እቶም ህዝቢ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ስቕ በሉ፡ ኣይትጉሀዩ፡ ኢሎም ኣህድእዎም።
12 ኩሎም እቶም ህዝቢ ድማ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞ፡ ኪበልዑን ኪሰትዩን ግዴታን ከአ ኪሰዱን ዓብዩ ሓጎስን ኪሕጎሱ ኸዱ።
13 እታ ኻልአይቲ መዓልቲ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ኹሉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ቃላት እቲ ሕጊ ኺምርምሩ ናብ እዝራ ጸሓፊ ተአከቡ።
14-15 ብበዓል እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኸአ ደቂ እስራኤል ካብ ዳስ ኪቕመጡ፡ ናብ ኩለን ከተማታቶምን ናብ ዮርሳሌምን ከአ፡ ናብ ከረን ውጹ እሞ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ንምስራሕ ዳስ ጨናፍር ኣውልዕ ዘይትን ፀናፍር ኦም ኣውልዕ መሮርን ጨናፍር ጸጾን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን ኣምጽኡ ኢሎም ኬስምዑን ኬእውጅይን፡ እግዚእብሄር ብሙሴ ኸም ዝአዘዞም፡ ኣብቲ ሕጊ ተጽሒፉ ረኸቡ።
16 ሽዑ እቶም ህዝቢ መጺኦም ኣምጽኡ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ መካበብያቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ኤፍሬምን ዳስ ሰርሑ።
17 ብዘላ እታ ማሕበር ናይቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ከአ ዳስ ሰሪሖም፡ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ደቂ እስራኤልሲ ካብ ዘመን እያሱ ወዲ ነዌ ጀኢሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኣይገበሩን እሞ፡ ኣዝዩ ዓብዩ ሓጎስ ኮነ።
18 ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ድማ መመዓልቲ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ኣንበቦ። ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዐሉ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ከምቲ ሕጊ ቅዱስ ኣኼባ ኾነ።

 

1 ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፡ ደቂ እስራኤል ከሊ ተኸዲኖም፡ ሓምድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ብጾም ተኣከቡ።
2 ዘርኢ እስራኤል ካብ ኩሎም ደቂ ጓኖት ተፈልዩ። ደው ኢሎም ከአ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ።
3 ኣብታ ስፍራኣኦም ኮይኖም ደው ኢሎም፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡ፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከአ ሰገዱሉ።
4 እያሱ፡ ባኒ፡ ቃድሚኤል፡ ሸባንያ፡ ቡኒ፡ ሸረብያ፡ ባኒ፡ ከናኒ ኾይኖም ከአ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸፍጸፍ ሌዋውያን ደው በሉ፡ ብብርቱዕ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ጨርሑ።
5 እቶም ሌዋውያን ከአ፡ እያሱ፡ ቃድሚኤል፡ ባኒ፡ ሓሻብንያ፡ ሸረብያ፡ ሆዲያ፡ ሸባንያ፡ ፈታሕያ ኾይኖም፡ ከምዚ በሉ፡ ተንሲኡ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ዘለአለም ክሳዕ ዘለአለም ባርኹ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ በረኸትን ምስጋናን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።
6 ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር። ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኩሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ኹሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ኹሉ ብህይወት እተንብሮ ኸአ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ።
7 ኣታ ንኣብራም ዝሓሬኻ፡ ካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውጺእካ፡ ስሙ ድማ ኣብርሃም ዝሰሜኻዮ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ።
8 ልቡን ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ድማ ምድሪ ከነአናውያን፡ ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጌርጌሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ፡ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻ። ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝኾንካ ኸአ፡ ነቲ ቓልካ ኣቖምካዮ።
9 ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ርኤኻ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸአ ኣውያቶም ሰማዕካ።
10 ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኩሎም ገላውኡን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ትኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎምሲ ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻ ስም ኣስሜኻ።
11 ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሜኦም መቐልካዮ፡ ብማእከል ባሕሪ ኸአ ብንቑጽ ሐለፉ። ነቶም ዚስዕብዎም ግና ከም እምኒ ኣብ ብዙሕ ማይ ኣብቲ መዓሙቕ ደርቤኻዮም።
12 ኣብቲ ዚኸድዎ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ድማ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም።
13 ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ኸአ ወረድካ፡ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ፍርድታትን ሓቀኛ ሕጋጋትን ጽቡቕ ሕጋጋትን ትእዛዛትን ከአ ሀብካዮም።
14 እታ ቅድስቲ ሰንበትካ ድማ ኣፍለጥካዮም፡ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ከአ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም።
15 ንጥሜቶም ድማ ካብ ሰማይ እንጌራ ሀብካዮም፡ ንጽምኣቶምውን ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም። እታ ንኣታቶም ክትህቦም ኢድካ ዝዘርጋሕካላ ምድሪ ምእንቲ ኺወርስዋ ድማ ናብኣ ኺአትው ተዛረብካዮም።
16 ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዐበዩ፡ ክሳዶም ድማ ኣትረሩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን።
17 ምስማዕ ኣበዩ፡ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራት ከአ ኣይዘከሩን፡ ክሳውዶም ደአ ኣትረሩ፡ ብዕልወቶም ናብታ ባርነቶም ኪምለሱ፡ ሓላቑ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕሬታን ሰናይን መሐርን ኢኻ፡ ንኹራ ደንጓዩ፡ ብዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ ኣይሓደግካዮምን።
18 ፍሰሲ ብተይ ገይሮምሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ ኣምላኽካ እዚ እዩ፡ ምስ በሉ፡ ኣዝዮም ኣኾረዩኻ።
19 ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፡ ብመዓልቲ ንምምራሕ መገዶም ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ዚኸዱላ መገዲ ኼብርሃሎም ከአ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣይረሓቑን።
20 ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሀብካዮም። ማናኻ ኸአ ካብ ኣፎም ኣየጉደልካን፡ ንጽምኣቶም ድማ ማይ ሀብካዮም።
21 ኣብ በረኻውን ገለ ኸየጉደልካ፡ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣየእረጉን፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይሓበጠን።
22 መንግስትታት ህዝብታትን ከአ ሀብካዮም፡ ግደ ጌርካ ድማ ከፈልካዮም እሞ ምድሪ ሲሆን፡ እታ ሃገር ንጉስ ሔሽቦንን ሃገር ዖግ ንጉስ ባሳንን ወረሱ።
23 ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕካዮም፡ ናብታ ነቦታቶም ከአትውዋን ኪወርስዋን ዝበልካዮም ምድሪ ድማ ኣእቶኻዮም።
24 እቶም ደቂ ኸአ ኣተውዋ እሞ ነታ ሀገር ወረስዋ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዝደለዩ ኺገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም።
25 እተዐርዳ ኸተማታትን ረጉድ ምድርን ከአ ሐዙ። ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝመልአ ኣባይትን እተኻዕተ ሓጽብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዩ ኣእዋሞን ድማ ወረሱ እሞ በቲ ዓብዩ ለውሃትካ በልዑን ጸገቡን ስብሑን ተሓጎሱን።
26 ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮኑን ካባኻ ዐለውን፡ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደረበይዎ። ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ዝመዐድዎም ነብያትካ ቐተልዎም፡ ንኣኻውን ኣዝዮም ጸረፉኻ።
27 ስለዚ ናብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ኣጨነቕዎም። ብጊዜ ጸበቦኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ፡ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካ ኸአ ካብ ኢድ ጸላእቶም ዜድሕንዎም መድሓንቲ ሀብካዮም።
28 ዕረፍቲ ምስ ኮነሎም ግና ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከአ ኣባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ። ከም ምሕረትካ ኸአ ብዙሕ ሳዕ ኣድሓንካዮም።
29 ናብ ሕግኻ ኽተምልሶም ኢልካ ድማ መዐድካዮም። ንሳቶም ግና ተዐበዩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን፡ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ዚድሕነሉ፡ ፍርድታትካውን በደሉ፡ መንኮቦም ድማ ኣድሓርሓሩ፡ ክሳዶም ኣትሪሮም ከአ ኣይሰምዑን።
30 ብዙሕ ዓመታት ድማ ተዐገስካዮም፡ ነብያትካ ጌርካ ኸአ ብመንፈስካ መዐድካዮም፡ ኣእዛኖም ግና ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሀብካዮም።
31 ግናኸ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡ ብብዝሒ ምሕረትካ ፈጺምካ ኣይወዳእካዮምን ኣይሓደግካዮምን።
32 ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ኪዳንን ምሕረትን ኣትሕሉ፡ ዓብይን ብርቱዕን መፍርህን ኣምላኽ፡ እቲ ንኣና፡ ንነገስታትና ንሓላቑናን ንኻህናትናን ንነብያትናን ነቦታትናን ንኹሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽቶ ኾይኑ ኣይረኤኻ።
33 ንስኻስ በቲ ኣቦና ዝመጻ ኹሉ ጻድቕ ኢኻ፡ ንሓና በደልና እምበር፡ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ እሙን ኢኻ።
34 ነገስታትናን ሓላቑናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይገብሩን፡ ንትእዛዛካን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝመስከርካዮ ምስክርካን ኣይሐለውን።
35 ኣብታ መንግስቶምን ኣብቲ ብብዙሕ ለውሃትካ ዝሀብካዮምን ኣብታ ኣብ ቅድሚኦም ዝሀብካዮም ገፋሕን ረጓድን ምድርን ኣየገልገሉኻን፡ ኻብቲ ኽፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን።
36 እንሆ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፡ ኣብታ ፍሬኣን በረኸታን ኪበልዑ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብኣ ባሮት ዃንና ኣሎና።
37 እቶታ ድማ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነግስታት ተብዝሓሎም ኣላ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን እንስሳናን ከም ዝደለዮ ይገዝኡ ኣለው። ንሕና ኸአ ኣብ ዓብዩ ጸበባ ኢና ዘሎና።
38 በዚ ኹሉ ድማ ኪዳን ኣቖምና ጸሐፍናዮውን፡ ሓላቑናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከአ ሐተምዎ።

 

1 እቶም ዚሐትሙ ኸአ እዚኣቶም እዮም፡ ነህምያ፡ እቲ ቲርሻታ ወዲ ሓካልያን ጺድቂያን፡
2 ሰራያ፡ ዓዛርያ፡ ኤርምያ፡
3 ጳሽሑር፡ ኣምርያ ማልኪያ፡
4 ሓጡሽ፡ ሸባንያ፡ ማሉክ፡
5 ሓሪም፡ መሬሞት፡ ዖባድያ፡
6 ዳኒኤል፡ ጊንቶን፡ ባሩክ፡
7 መሹላም፡ ኣቢያ፡ ሚያሚን፡
8 መዓዝያ፡ ቢልጋይ፡ ሸማዕያ፡ እዚኣቶም ካህናት እዮም።
9 ሌዋውያን ከአ፡ እያሱ ወዲ ኣዛንያ ቢኑይ ካብ ደቂ ሔናዳድ፡ ቃድሚኤል፡
10 ኣሕዋቶም ድማ ሸባንያ፡ ሆድያ፡ ቀሊጣ፡ ጰላያ፡ ሓናን፡
11 ሚካ፡ ሬሖብ፡ ሓሽብያ፡
12 ዛኩር፡ ሸረብያ፡ ሸባንያ፡
13 ሆዲያ፡ ባኒ፡ በኒኑ።
14 ሓላቑ እቲ ህዝቢ፡ ጳርዖሽ፡ ጳሓት-ሞኣብ፡ ዔላም፡ ዘቱ፡ ባኒ፡
15 ቡኒ፡ ዓዝጋድ፡ ቤባይ፡
16 ኣዶንያ፡ ቢግዋይ ዓዲን
17 ኣጤር፡ ሕዝቂያ፡ ዓዙር፡
18 ሆዲያ፡ ሓሹም፡ ቤጻይ፡
19 ሓሪፍ፡ ዓናቶት፡ ኔባይ፡
20 ማግጲዓሽ፡ መሹላም፡ ሔዚር፡
21 መሸዛብኤል፡ ጻዶቅ፡ ያዱዓ፡
22 ጳላጥያ፡ ሓናን፡ ዓናያ፡
23 ሆሺዓ፡ ሓናንያ፡ ሓሹብ፡
24 ሃሎሔሽ፡ ጺልሓ፡ ሸቤቅ፡
25 ሬሑም፡ ሓሻብና፡ ማዓሰያ፡
26 ድማ ኣሒያ፡ ሓናን፡ ዓናን፡
27 ማሉክ ሓሪም ባዓና።
28 እቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሐለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ኹላቶምን፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኩሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም፡
29-30 እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኩሉ ኽሕልውን ኪገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸአ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ።
31 እቶም ህዝብታት እታ ሃገር በብዓይነቱ ሸቕጥን እኽልን፡ ብመዓልቲ ሰነብት ኪሸጥዎ ኢሎም ዘምጽእዎ፡ በመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካባታቶም ኣይንሻየጥ በብሳብዐይቲ ዓመት ከአ እታ ምድሪ ትዕረፍ ንሕደጋ፡ ነቶም ሰብ ዕዳውን ንሕደገሎም፡ በልና፡፡
32-33 ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽና፡ ንእንጌራ ምርኣይን ነቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ስናብትን ናይ ስርቂ ወርሕን ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን ንመተዓረቒ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኹሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን በብዓመት ሲሶ ሚትቃል ክንህብ፡ ኣብ ርእስና ትእዛዝ ጸዐንና።
34 ብዛዕባ እቲ ምውፋይ ዕጨይቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺነድድሲ፡ በብማይ ቤት ኣቦታትና ዓመት ንዓመት በብእዋኑ ንቤት ኣምላኽና ዕጨይቲ ንምምጻእ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ንህዝብን ዕጭ ኣውደቕናሎም።
35 በኹራት ፍረ ምድርናን በኹራት ኩሉ ፍረ ናይ ኩሉ ዓይነት ኣግራብናን በብዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከነምጽእ፡
36 ከምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ፡ በኹሪ ደቅናን እንስሳናን በኹሪ ኣሓናን ኣባጊዕናን ናብቶም ቤት ኣምላኽና ነምጽእ።
37 ቀዳማይ ብሑቕናን ዚለዐል ሞባእናን ፍረ ኹሉ ዓይነት ኣግራብን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ንኻህናት ናብ ክፍልታት ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ናይ ምድርና ዕሽር ከአ ንሌዋውያን ነምጽእ፡ ንሳቶም ሌዋውያን፡ ካብ ኩሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዕሽር ይውሰዱ።
38 ሌዋውያን ዕሽር ኪወስዱ ኸለው ድማ፡ ብሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፡ ምስቶም ሌዋውያን ይኹን። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዕሽር ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቲ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ የእትው።
39 እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከአ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዚልዐል መስዋእቲ ናብቲ ኽፍልታት እዮም ዜምጽእዎ፡ ኣብኡ ኸአ እቲ ኣቓሑ መቕደስን እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን እዮም ዘለው። እምበአርሲ ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንሕደግ።

 

1 እቶም ሓላቑ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ከካብ ዓሰርተስ ሐሓደ ወሲዶም ናብታ ቅድሲ ኸተማ፡ ናብ ዮርሳሌም ኬቕምጥዎም እቶም ትሽዓተ ኢድ ከአ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ኪቕመጡ ዕጭ ተዋደቑ።
2 ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ዮርሳሌም ኪቕመጡ ዝፈተው ኹሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቆም።
3 እቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ሓላቑ እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን፡ ካህናት ሌዋውያንን ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።
4 ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ፡ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዓታያ ወዲ ዑዚያ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ሸፋጥያ፡ ወዲ ማሃላልኤል፡ ካብ ደቂ ፋሬስ።
5 ድማ ማዓስያ ወዲ ብሩክ፡ ወዲ ኮል-ሔዜ፡ ወዲ ሓዛያ፡ ወዲ ዓዳያ፡ ወዲ ዮያሪብ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ እቲ ሹሎናዊ።
6 ኩላቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ደቂ ፋሬስ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሾምንተን ሓያላት ሰባት ነበሩ።
7 ደቂ ብንያም ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሳሉ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ዮዔድ፡ ወዲ ጳዳያ፡ ወዲ ቆላያ፡ ወዲ ማዓስያ፡ ወዲ ኢቲኤል፡ ወዲ ይሻዕያ።
8 ድሕሪኡ ኸአ ጋባይ፡ ሰላይ፡ ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሾምንተን።
9 ዮኤል ወዲ ዚክሪ ኸአ ሓላቓኦም ነበረ፡ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዮ ነበረ።
10 ካብ ካህናት ከኣ የዳዕያ ወዲ ዮያሪብ፡ ያኪን።
11 ሰራያ ወዲ ሒልቃያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓለቓ ቤት ኣምላኽ።
12 ዕዮ እቲ ቤት ዚዐዮ ኣሕዋቶም ድማ ሾሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን እዮም፡ ድማ ዓዳያ፡ ወዲ ይሮሓያ፡ ወዲ ጳላልያ፡ ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ጳሽሑር፡ ወዲ ማልኪያ፡
13 ኣሕዋቱ ኸአ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን፡ ዓማሽሳይ ወዲ ዓዛርኤል፡ ወዲ ኣሕዛይ፡ ወዲ መሸሌሞት፡ ወዲ ኢመር፡
14 ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፡ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን፡ ሐለቓኦም ድማ ዛብዲኤል፡ ወዲ ሃገዶሊሞ ነበረ።
15 ካብ ሌዋውያን ድማ ሸማዕያ ወዲ ሓሹብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ቡኒ።
16 ካብ ሓላቑ ሌዋውያን ከአ ሻብታይን ዮዛባድን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወጻኢ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ነበሩ።
17 ድማ ማታንያ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ኣሳፍ፡ ንሱ ብጸሎት ጀማር መዝሙር ምስጋና ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካልኣዮ ኸአ ካብ ኣሕዋቱ፡ ባቅቡቅያ፡ ኣብዳ ወዲ ሸሙዓ ኸአ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ ይዱቱን።
18 ኩሎም ሌዋውያን ኣብታ ቅድስቲ ኸተማ ኽልተ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ።
19 ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸአ ዓቁብ፡ ጣልሞን፡ ኣሕዋቶም ድማ ንደጊታት ዚሕልው ዝነበሩ፡ ሚእትን ሰብዓን ክልተን እዮም።
20 ካብ እስራኤል ዝተረፉ ኻህናትን ሌዋውያንን ከአ ኣብ ኩለን ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ።
21 እቶም ነቲኒም ግና ኣብ ዖፌል ተቐመጡ፡ ጺሓን ጊሽጳን ከአ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲኒም ነበሩ።
22 ኡዚ ወዲ ባኒ ድማ፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካ፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ እቶም ዘመርቲ፡ ኣብ ዮርሳሌም ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ።
23 ከመይሲ ብዛዕባኦም ትእዛዝ ንጉስ ነበረ፡ ነቶም ዘመርቲውን ነንመዓልቲ ምዱብ ግዲኦም ተሰርዓሎም።
24 ጴታሕያ ወዲ መሸዛብኤል፡ ካብ ደቂ ዜራሕ ወዲ ይሁዳ ኸአ ብኹሉ ናይ ህዝቢ ነገር ምስ ንጉስ ነበረ።
25 ኣብ ኣቑሻቶምን ኣብ ማሕረሶምን ድማ ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳ ኣብ ቂርያት፦ኣርባን ኣብ ዓድታታን ኣብ ዲቦንን ኣብ ዓድታታን ኣብ ቃብጽኤልን ኣብ ኣቑሻታን ተቐመጡ።
26 ኣብ የሹዓን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጰሌጥን፡
27 ኣብ ሓጺር-ሹዓልን ኣብ ብኤር-ሸባዕን ኣብ ዓድታታን፡
28 ኣብ ጺቅላግን ኣብ መኮናን ኣብ ዓድታታን፡
29 ኣብ ዔን-ሪሞንን ኣብ ጸርዓን ኣብ ያርሙትን ተቐመጡ።
30 ኣብ ዛኖሓን ኣብ ዓዱላምን ኣብ ዓድታተንን፡ ኣብ ላኪሽን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ዕድታታን ካብ ብኤር- ሸባዕ ክሳዕ ለሰ ሂኖም ሰፈሩ።
31 ደቂ ብንያም ከአ ካብ ጌባዕ፡ ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ዓያን ኣብቤት-ኤልን ኣብ ዓድታታን ተቐመጡ፡
32 ኣብ ዓናቶት፡ ኣብ ኖብ፡ ኣብ ዓናንያ፡
33 ኣብ ሓጾር፡ ኣብ ራማ፡ ኣብ ጊታይም፡
34 ኣብ ሓዲድ፡ ኣብ ጽቦዒም፡ ኣብ ነባላጥ፡
35 ኣብ ሎድን ኣብ ኦኖን፡ ኣብ ለሰ ጸረብትን።
36 ካብ ሌዋውያን ድማ ገለ ኣብ ይሁዳ ኻብ ዝነበሩ ኽፍልታት ምስ ብንያም ሓበሩ።

 

1 እቶም ምስ ዙሩባቤል፡ ወዲ ሸኣልቲኤልን ምስ እያሱን ዝደየቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፡ ሰራያ፡ ኤርምያ፡ እዝራ፡
2 ኣማርያ፡ ማሉክ፡ ሓጡሽ፡
3 ሸካንያ፡ ሬሑ፡ መሬሞት፡
4 ዒዶ፡ ጊንቶይ፡ ኣቢያ፡
5 ሚያሚን፡ ማዕድያ፡ ቢልጋ፡
6 ሸማዕያ፡ ዮያሪብ፡ የዳዕያ፡
7 ሳሉ፡ ዓሞቅ፡ ሒልቂያ። የዳዕያ። እዚኣቶም ብዘመን እያሱ፡ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ሓላቑ ነበሩ።
8 ሌዋውያን ድማ፡ እያሱ፡ ቡኑኢ፡ ቃድሚኤል፡ ሸረብያ፡ ይሁዳ፡ ማታንያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን፡ መራሕቲ መዝሙር ምስጋና።
9 ኣብ መንጽሮም ድማ ኣሕዋቶም ባቅቡቅያን ዑኒን ኣብ ሐሓለዋኦም ነበሩ።
10 እያሱ ኸአ ንዮያቂም ወለደ፡ ዮያቂም ድማ ንኤልያሺብ ወለደ፡ ኤልያሺብ ከአ ንዮያዳዕ ወለደ።
11 ዮያዳዕ ድማ ንዮናታን ወለአ፡ ዮናታን ከአ ንያዱዓ ወለደ።
12 ብዘመን ዮያቂም ከአ እቶም ካህናት ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሰራያ መራያ፡ ካብ ኢርምያ ሓናንያ፡
13 ካብ እዝራ መሹላም፡ ካብ ኣማርያ ዮሓናን፡
14 ካብ መሊኩ ዮናታን፡ ካብ ሸባንያ ዮሴፍ፡
15 ካብ ሓሪም ዓድና፡ ካብ መርዮይ ሔልቃይ፡
16 ካብ ዒዶ ዘካርያስ፡ ካብ ጊንቶን መሹላም።
17 ካብ ኣቢያ ዚክሪ፡ ካብ ሚንያሚን፡ ካብ ሞዓድያ ጲልጣይ፡
18 ካብ ቢልጋ ሻሙዓ፡ ካብ ሸማዕያ ይሆናታን፡
19 ካብ ዮያሪብ ድማ ማትናይ፡ ካብ የዳዕያ ዑዚ፡
20 ካብ ሳላይ ቃላይ፡ ካብ ዓሞቅ ዔበር፡
21 ካብ ሒልቂያ ሓሻብያ፡ ካብ ይዳዕያ ንታንኤል።
22 እቶም ሌዋውያን ብዝመን ኤልያሺብን ዮያዳዕ ዮሓናን ያዱዓን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኮይኖም ተጻሕፉ፡ እቶም ካህናት ድማ ብዘመን መንግስቲ ዮርዳኖስ ብዓል ፋርስ ተጻሕፉ።
23 እቶም ደቂ ሌዊ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ኣብቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፉ።
24 ሓላቑ እቶም ሌዋውያን ከአ ሓሻብያ፡ ሸረብያ፡ እያሱ ወዲ ቃድማኤል ምስ ኣሕዋቶም ኣብ መንጽሮም ኮይኖም፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ።
25 ማታንያን ባቅቡቅያን ዓብድያ፡ መሹላም፡ ጣልሞን ዓቁብ፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ኾይኖም ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ይሕልው ነበሩ።
26 እዚኣቶም ብዘመን ዮያቂም፡ ወዲ እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን ብዘመን መስፍንን ነህምያን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን ነበሩ።
27 ብምቕዳስ እቲ መካበብያ ዮርሳሌም ድማ፡ ምእንቲ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጎስ ኪቕድስዎ፡ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኩሉ ቦታኦም ናብ ዮርሳሌም ኬምጽእዎም ደለይዎም።
28-29 እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮርሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተአከቡ።
30 እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ጸንዑ። ነቲ ህዝብን ንደጌታትን ነቲ ቖጽርን ከአ ኣንጽህዎ።
31 ንሓላቑ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎም። ዜመግኑ ኸአ ክልተ ዓበይቲ ታራ ኣቖምኩ፡ እቶም ሓደ ታራ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደገ መጉሓፊ ብሸነኽ የመን ከዱ።
32 ብድሕሪኦም ሆሻዕያ ኸደ፡ ሓላቑ ይሁዳ ኸአ ፈረቓኦም ከዱ፡
33 ኣዛርያን እዝራን መሹላምን፡
34 ይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን፡
35 ካብ ደቂ ኻህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካያ፡ ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ኣሳፍ።
36 ኣሕዋቱ ድማ፡ ሸማዕያን ዓዛርኤልን፡ ሚላላይ፡ ጊላላይ፡ ማዓይ፡ ንታንኤልን ይሁዳን ሓናኒን፡ ነቲ ናይ ዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ መሳርያታት ሙዚክ ሒዞም፡ እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸአ ቀቅድሚኦም ነበረ።
37 ኣብ መንጽሮም ኣብ ዘሎ ደገ እቲ ዔላ፡ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዜደይብ መሳልል፡ ኣብ ልዒ ቤት ዳዊት ዘሎ ናይ መካበብያ ዜደይብ መሳልል ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዜብል ደገ ማይ ደየቡ።
38 እቶም ካልኣይ ታራ ዜመስግኑ ኸአ ኪራኸብዎም ናብ ካልኦት ወገን ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። ኣነን ፈረቓ እቲ ህዝብን ድማ ካብ ግምቢ ኣቶም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ብልዕሊ እቲ መካበብያ ጌርና ደድሕሪኦም ከድና።
39 ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ደገ ዓሳ ብግምቢ ሃናንኤልን ብግምቢ ሜኣን ክሳዕ ደገ ኣባጊዕ ከይዶም ድማ ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ቆሙ።
40 እቶም ክልተ መስርዕ ዜመስግኑ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ ቖሙ፡ ኣነ ከአ ምስ ፈረቓ እቶም ሹማምቲ።
41 እቶም ካህናት ድማ፡ ኤልያቂም፡ ማዕሰያ፡ ሚንያሚን፡ ሚካያ፡ ኤልዮዔናይ፡ ዘካርያስ፡ ሓናንያ፡ መለኸት ሒዞም።
42 ምማዕሰያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን የሆሓናን መልክያን ዔላምን ዔዘርን። እቶም ዘመርቲ ኸአ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፡ ይዝራሕያ ኸአ መራሒኦም ነበረ።
43 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዩ መስዋእቲ ሰውኡ። ኣምላኽ ዓብዩ ሓጎስ ኣሕጎስዎም እዩ እሞ፡ ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከአ ተሓጎሱ፡ ሓጎስ ዮርሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ።
44 እቶም ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ርእዮም ተሓጎሱ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዚለዐል መስዋእትታትን በኹራትን ዕሽርን ካብ ኩሉ ማሕረስ እተን ከተማታት ከምቲ ሕጊ ግደ ኻህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዚእከቡሉ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ ዚእክቡ ዋናታት ኣቖሙ።
45 ንሳቶም ድማ ነቲ ሓለዋ ኣምላኾምን ነቲ ሓለዋ ጽሬትን ሐለው፡ እቶም ዘመርትን ሓለውትን ደጌታትን ከአ ከምኡ፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎምን ወዱን ገበሩ።
46 ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍንሲ፡ ሓላቑ ዘመርቲ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን ነበረ።
47 ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከኣ ብዘለው እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደጊታትን ነንመዓልቲ ግዲኦም ሀብዎም። ንሌዋውያን ድማ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ሀቡ። እቶም ሌዋውያን ከአ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ሀቡ።

 

1 በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ መጽሓፍ ሙሴ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበብዎ፡ ኣብኡ ኸኣአ ዓሞናውን ሞኣባውን ንዘለአለም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ከይአቱ፡ ተጽሒፉ ተረኸበ።
2 ከመይሲ ኺረግሞም ደአ ንበላዓም ተሻየጥዎ እምበር፡ ንደቂ እስራኤል እንጌራን ማይን ሒዞም ኣይተቐብለዎምን። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ኣብ በረኸት መለሶ።
3 ኮነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ፡ ጓና ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ።
4 ቅድሚ እዚ፡ ኤልያሺብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ ኽፍልታት ቤት ኣምላኽና ተሸይሙ ዝነበረ፡ ዘመድ ጦብያ፡
5 ንሱ ንእኡ ዓብዩ እቃቤት ኣዳለወሉ፡ ቅድም ኣብኡ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣቓሑን ናይ እኸልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዕሽር፡ ማለት እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደጌታትን እተአዘዘሎምን እቲ ንኻህናት ዚለዐል መስዋእትታትን የንብሩሉ ነበሩ።
6 ኣነ ግና ብኹሉ እዚ ነገር እዚ ኣብ ዮርሳሌም ኣይነበርኩን። በመበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ንኣርታሕሻስታ ንጉስ ባቢሎን ናብ ንጉስ ደአ መጺኤ ነበርኩ። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ድማ ካብ ንጉስ ስንብታ ለመንኩ፡
7 ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩ እሞ ኤልያሺብ ኣብ ውሽጢ መካበብያ ቤት ኣምላኽ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምድላው ዝገበሮ ኽፋእ ኣስተውዐልኩ።
8 እዚ ኸአ እዝዩ ኣጉሀየኒ። ንኹሉ ኣቓሑ ቤት ጦብያ ድማ ካብቲ ኽፍሊ ቤት ንግዳም ደርቤኽዎ።
9 ነቲ ኽፍልታት ቤት ከአ ኬንጽህዎ አዘዝኩ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ድማ መሊሰ ኣብኡ ኣእቶኽዎ።
10 ንሌዋውያን ግዲኦም ከም ዘይተዋህበ፡ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዜገልግሎ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝሀደመ ፈለጥኩ።
11 ሽዑ ነቶም ዓበይቲ ገሰጽክዎም፡ ስለምታይ እዩ ቤት ኣምላኽ እተሐድገ፡ ኢለ ኸአ አኪበ ነናብ ዕዮኦም ኣቖምክዎም።
12 ሽዑ ኸአ ኩሉ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዕሽር ናብቲ መዝገብ የምጽእ ነበረ።
13 ተሓዝቲ መዝገብ ከአ ሸለምያ ኻህንን ጻዶቅ ጸሓፍን፡ ካብ ሌዋውያን ድማ ፈዳያ ኣቖምኩ። ምሳታቶም ከአ ሓናን ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ማታንያ፡ ወሰኽኩ፡ እሙናት ኮይኖም ስለ እተረኸቡ ድማ ነሕዋቶም ገግዲኦም ኬካፍልዎም ተመዘዙ።
14 ስለዚ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክረኒ፡ ኣብ ቤት ኣምላኸይን ኣብ ኣገልግሎቱን ዝገበርክዎ ለውሃተይ ከአ ኣይተጥፍእ።
15 በተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኺረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኼእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ በመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ኬምጽኡን ርኤኹ። ኣነ ኸአ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ።
16 ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዚሽየጥ ኩሉ ነገርን የምጽኡ፡ ንደቂ ይሁዳ ኸአ ብሰንበትን ኣብ ዮርሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ።
17 ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገብርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ አሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎም።
18 ኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩ፡ ኣምላኽና ድማ እዚ ኹሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚአን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ።
19 ኮነ ኸአ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኺወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኺዐጽው ኣዘዝኩ። ሰንበት ክሳዕ እተሐልፍ ከአ፡ ከይከፍቱ አዘዝኩ። ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸያአቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ።
20 ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ኹሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሐደሩ።
21 ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩም፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹን።
22 ንሌዋይውን ከአ ኪጸርዩን፡ ንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ኪመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸትይ፡ ዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ።
23 በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ።
24 እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝኾነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ።
25 ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩ፡ ጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም።
26 በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸአ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ።
27 እዚ ኹሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና።
28 ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳዕ፡ ወዲ ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሳንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገበረ። ስለዚ ኸኣአ ካባይ ሰጎጉክዎ።
29 ክህነትን ኪዳን ክህነትን ሌዋውያንን ስለ ዘርከሱ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክሮም።
30 በዚ ኸምዚ ኻብ ኩሉ ጋሻ ነገር ኣጽሬኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስራሑ ብምትሓዝ ኣቖምክዎ።
31 ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይትን ብዛዕባ በኹራትን በቲ እተመደበ ጊዜ ኪቐረብ ኣዘዝኩ።
32 ዎ- ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...