ጽማቝ ሓሳባት መጽሐፈ ምሳሌ (Proverbs)

መጽሓፍ ምሳሌ ኻብ እተፈላለየ ቦታታት እተወስደን ንነዊሕ እዋን እተዳለወን ሓጺር ቃላት ዝሓዘት እያ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ እዚ ሓሳብ እዚ ኻብ ግብራዊ ተመክሮ ዚርከብ ጥበብ እዩ ዜመልክት ። ሓደ ሰብ ሕጉስን ዜዕግብን ህይወት ምእንቲ ኺነብር እንታይ ዓይነት ናብራ ኺነብር ከም ዘለዎ ዚገልጽ ጥዑይ ምኽሪ እዩ ።

መጽሐፈ ምሳሌ (Proverbs)

1 ምስላታት ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡
2 ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡
3 ዘለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡
4 ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ።
5-6 እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ።
7 ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።
8-9 ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።
10 ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም።
11 ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡
12 ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወውቶም ከለዉ ኸም ሲኦል ኴንና ንውሐጦም።
13 ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና።
14 ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ፡
15-16 ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል።
17 መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እንተ ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ።
18 ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ።
19 መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣ።
20 ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ።
21 ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማ፡ ቃላት ትዛረብ፡
22 ኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም∶ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝከ ላግጺ ባህ ኪብሎም∶ ደናቝርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም።
23 ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።
24 ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡
25 ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን
26-27 ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ ኣትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ፡ መከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ።
28 ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም።
29 ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡
30 ምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡
31 ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም።
32 እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ።
33 እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።

 

1-2 ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡
3 እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡
4 ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡
5 ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።
6 እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።
7-8 ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ።
9 ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ።
10 ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡
11-12 ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።
13 ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡
14 ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም።
15 ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ።
16-17 ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሓደገቶ፡ ንኺዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ።
18 ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ኸኣ ናብ ምዉታት ዜንቈልቍል እዩ እሞ፡
19 ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም።
20-21 እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምብኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ፡ ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ።
22 ረሲኣን ግና ካብ ምድር ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምትቈሱ እዮም።

 

1-2 ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን።
3 ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን።
4 ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።
5 ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
6 ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
7 ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ።
8 እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ።
9 ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
10 ሽዑ ቆፋፉኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡
11-12 ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዝቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጾኦ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዓቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር።
13 እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ።
14 ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ።
15 ካብ ዕንቍ ትኸብር፡ ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን።
16 ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።
17 ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ።
18 ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ።
19 እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖ።
20 ብፍልጠቱ መዓሙቝ ይኸፍት፡ ደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብ።
21 ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓንይኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን።
22 ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን።
23 ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ።
24 እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።
25-26 እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር።
27 ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።
28 ዚወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ።
29 ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ።
30 ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ።
31 ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ።
32 እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።
33 መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ።
34 ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።
35 ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።

 

1 ኣቱም ቈልዑ፡ ተግሳጽ ወላዲ ስምዑ፡ ልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ ኣቕልቡ።
2 ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ።
3 ኣነውን ነቦይ ውሉድ፡ ንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ።
4 ሽዑ ኣስተምሀርኒ በለኒውን፡ ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።
5 ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብል።
6 ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ክትሕልወካ፡ ኣፍቅራ፡ ንሳውን ክተዕቍበካ እያ።
7 ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡
8 ልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ክተብለካ እያ። እንተ ሐቔፍካያ፡ ከተኽብረካ እያ።
9 ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ፡ ዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።
10 ወደየ፡ ስማዕ፡ቃለይ ድማ ተቐበል፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ።
11 ብጐደና ጥበብ መሃርኩኻ፡ ብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻ።
12 ከትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢካ።
13 ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን፡
14 ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ።
15 ካብኣ ርሐቕ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ኣግልሰላ፡ ክንየዋ ኺድ።
16-17 እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር።
18 መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ።
19 መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን።
20 ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን።
21-22 ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።
23 ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።
24 ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ፡ ንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆ።
25 ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ።
26 ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን።
27 ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።

 

1-2 ወደየ፡ ምኽሪ ኸተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኺሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን።
3 ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ትልስልስ።
4 መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ።
5 ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ፡ ስጕምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ።
6 ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስ፡ በኻይዳኣ ዀብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ።
7 ኣቱም ደቀየ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሐቑ።
8 መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ።
9 ክብርኻ ንኻልእ፡ ዕድሚኻውን ንጨካን ከይትህብ፡
10 ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድካምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ፡
11 ኣብ መጠረስታ ነፍሰ ስጋኻ ምስ ተወድኤ፡ ከይተልቅስ እሞ፡
12-14 ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንያትከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ∶ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ንምብጻእ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይረ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ካብኣ ኣርሕቖ።
15 ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ።
16 ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ ኣሎ እዩ∶
17 ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ።
18 ምንጭኻ ይባርኽ፡ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ።
19 ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።
20 ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር∶ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ∶
21 እምብኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።
22 እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር።
23 ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡ በቲ ዓብዪ ድንቍርናኡ ኸኣ ይጋገ።

1 ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸኣ ኢድ እንተ ጠቓዕካ፡
2 ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ።
3 ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበር፡ ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡
4 ንዓይንኻ ድቃስ፡ ንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ፡
5 ከምቲ ሜዳቝ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን።
6 ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
7 ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ የብሉን፡
8 ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9 ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል∶ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ∶
10 ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሃንሳእ ከኣ ምትካስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡
11 ድሕርዚ ኸኣ ድኽነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
12 ሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ፡
13 ብዓይኑ ይጠቅስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ በጻብዑ የመልክት።
14 ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኵሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ።
15 ስለዚ ጥፍኣት ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
16 እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡
17 ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡
18 እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡
19 ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።
20 ወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ፡
21 ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ አሰሮ፡ ኣብ ክሳድካ ዉን ኣጥቢቕካ ሕዞ።
22-24 ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ።
25-26 ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሃንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
27 ሰብዶ ሓዊ ሐቝፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ∶
28 ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ?
29 ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፡ ዚትንክያ ኸይተቐጽዔ ከቶ ኣይተርፍን።
30 ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዐቆን እዩ፡
31 እንተ ተታሕዘ ኸኣ፡ ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ኵሉውን ይህብ።
32 እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር።
33 ቍስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን።
34 ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ።
35 ግዲ ኻሕሳ የብሉን፡ ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይቅበልን እዩ።

 

1 ወደየ፡ ንቓላተይ ሐልዎ፡ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዑቘሮ።
2 ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሐልዎ።
3 ናብ ኣጸብዕካ እሰሮ፡ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሐፎ።
4-5 ካብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኺባልሀካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸኣ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ።
6 ኣብ መስኰት ቤተይ ኰይነ፡ ብዓይነ ርግቢ ኣሳጊረ ኣማዕዶኹ፡
7 ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ኰይነ፡ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጐበዝ ርኤኹ።
8 ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ።
9 ምድሪ መስዩ፡ ጽልግልግታ ዀይኑ፡ ጸሊም ለይቲ፡ ድቕድቕ ጸልማት ነበረ።
10 እንሆ ኸኣ፡ ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክዳን ምንዝርና እተኸደነት፡ ልባ ተንኰለኛ፡
11 ንሳ ህውከተናን ቀላልን እያ፡ ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዐርፉን፡
12 ሓንሳእ ኣብ ኣደባብይ፡ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ።
13 ሐዘቶ ሰዐመቶውን፡ ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ከኣ በለቶ፡
14 መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺኦኤ ነይረ እየ እሞ፡ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ፡
15 ስለዚ ኸኣ ክቕበለካን ገጽካ ኽደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ።
16 ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራናሽ፡ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጕርጕር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ ኣሎኹ።
17 ነቲ ምድቃሰይ ከርበ፡ ዓልወ፡ ቀረፋ ነጺገሉ ኣሎኹ።
18-20 ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒ ፍጹም ብርሃን ምስ ኰነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና።
21 ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶ፡ ብልዙብ ከናፍራ ስሐበቶ።
23-22 ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጾኣት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዐበ።
24 እምብኣርሲ ደቀየ፡ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ።
25-27 ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሐት።

 

1 ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ∶ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ∶
2 ኣብ ጫፍ በረኽትን፡ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ፡
3 ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር፡
4 ኣቱም ሰባት፡ ንኣኻትኩም እጽውዓኩም ኣሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ።
5 ኣቱም ዓያሱ፡ ኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ፡ ለብሙ።
6-7 ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ።
8 ኵለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን።
9 ነቲ ኣስተዎዓሊ ኵለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረከቡ ኸኣ ቅኑዓት እየን።
10-11 ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ።
12 ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር፡ ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ።
13 ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ።
14 ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ፡ ኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ።
15 ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፡ መሳፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ።
16 ገዛእትን ከበርቴን ብዘለዉ መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ።
17 ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።
18 ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ ኣሎ።
19 ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከኣ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ።
20-21 ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኸውርሶም፡ መዝገቦም ከኣ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጐደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ።
22 እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ።
23 ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያ፡ ምድሪ ኸይኰነት ቈምኩ።
24 ገና መዓሙቝ ከይኰነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሐዘ፡ ኣነ ተወለድኩ።
25 ኣኽራን ከይተሰረተ፡ ቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ።
26 ንምድርን ንጐልጐልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከይገበሮ፡
27 ንሰማያት ኬቝማ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ኪዝርግሖ ኸሎ፡
28 ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቝሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቝ ኬበርቶኦ ኸሎ፡
29 ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሐልፍሲ፡ ንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ፡
30 ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ፡ ብየዕለቱ ኤሐጕሶ፡ ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።
31 ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጐስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።
32 ሕጂ ድማ ደቀየ፡ መገደይ ዚህልዉ ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዑኒ።
33 ጠቢባን ኩኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ፡ ኣይትእበይዎ።
34 እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ፡ ብየዕለቱ ደገኡ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።
35 እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል።
36 እቲ ኣብ ልዕለይ ዝእብስ ግና ንነፍሱ ይጐድኣ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ዅሎምሲ ሞት ይፈትዉ።

 

1 ጥበብ ቤታ ሀነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑድ ጸረበት።
2 ሰባብሕታ ሐረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መኣዳውን ኣሰናደወት።
3 ኣግራዳ ለኣኸት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ ኣላ፡
4 ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም ኣላ፡
5 ንዑ፡ እንጌራይ ብልዑ፡ ዝዘለልክዎ ወይነን ስተዩ።
6 ብህይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ሕደጉ፡ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ።
7 ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል፡ ንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ።
8 ምእንቲ ኸይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ።
9 ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ መህሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።
10 መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።
11 ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓ፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውሰኻልካ እየን እሞ፡
12 ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ።
13 ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ።
14-16 ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽዎኦምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኻ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡
17 ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ።
18 ንሱ ግና ምዉታት ኣብኡ ኸም ዘለዉ ዕዱማታውናን መዓሙቝ ሲኦል ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።

 

1 ምስላታት ሰሎሞን። ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ፡ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።
2 መዝገብ ረሲእነት ገለ እኳ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።
3 እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቅ ክትጠሚ ኣይሐድጋን፡ ንህርፋን ረሲእን ግና የንኰልልፎ።
4 ብህክይቲ ኢድ ዚዓዪ ይደኪ ኢድ ትጕሃት ግና ተህብትም።
5 እቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።
6 በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጻድቕ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል።
7 መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ።
8 ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
9 ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድ፡ ብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ።
10 ብዓይኑ ዚጠቅስ መከራ የምጽእ፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
11 ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል።
12 ጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።
13 ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ፡ በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ።
14 ጠቢባንሲ ፍልጠት ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።
15 ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማ እዩ፡ ንድካ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።
16 ዕዮ ጻድቕ ንህይወት፡ እቶት ረሲእ ግና ንሓጢኣት እዩ።
17 ምዕዶ ዚሕሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ፡ ተግሳጽ ዚኣቢ ግና ይስሕት።
18 ጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር አለዋኦ፡ ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ።
19 ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።
20 ልሳን ጻድቕ ሕሩይ ብሩር እዩ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ፍረ የብሉን።
21 ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይጓስያ፡ ዓያሱ ግና ስኣን ልቢ እዮም ዝሞቱ።
22 በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።
23 ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ዋዛኡ እዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ።
24 ንረሲእ እቲ ዚፈርሆ ነገር ይመጾ፡ ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሃቦም።
25 ህቦብላ ምስ ዚሐልፍ፡ እቲ ረሲእ የሎን፡ ጻድቕ ግና ንዘለኣለም ዚነብር መሰረት እዩ።
26 ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒ፡ ሃካይ ንለኣኽቱ ኸምኡ እዩ።
27 ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ዕድመ የንውሕ፡ ዓማታት ረሲእ ግና ኺሐጽራ እየን።
28 ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ፡ ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።
29 መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምባኡ፡ ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።
30 ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽን፡ ረሲኣን ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።
31 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የውጽእ፡ ልግመኛ ልሳን ግና ትቝረጽ።
32 ከናፍር ጻድቃን ነቲ ዜሐጕስ ይፈልጣኦ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ልግመኛ እዩ።

 

1 ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።
2 ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።
3 ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም።
4 ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይተቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።
5 ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዲ የቕንዓሉ፡ ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውድቖ።
6 ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም፡ ነቶም ጥለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም።
7 ረሲእ እንተ ሞተ፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፡ ትጽቢት ክፉኣትውን ይጠፍእ።
8 ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕን፡ ረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።
9 እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፡ ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ።
10 ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡ፡ ከተማ ትሕጐስ፡ ረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን።
11 ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፡ ብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ።
12 እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉን፡ ለባም ግና ስቕ ይብል።
13 እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።
14 ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።
15 ንጓና ዚወሐስ መከራ ይመጾ፡ ውሕስነት ዚጸልእ ግና ህዱእ እዩ።
16 ውቅብቲ ሰበይቲ ክብረት ትረክብ፡ ሃያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ።
17 ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ፡ ጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ።
18 ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱ፡ ጽድቂ ዚዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ ኣለዎ።
19 ጽድቂ ናብ ይህወት ይመርሕ፡ ንኽፉእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ።
20 እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጕስዎ።
21 ኢድ ንኢድ፡ እቲ ሕሱም ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ዘርኢ ጻድቃን ግና ኬምልጡ እዮም።
22 መልክዔና ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።
23 ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ።
24 ገለ ይብትን እሞ ይውሰኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቝጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ።
25 ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።
26 ነቲ እኽሉ ዚዐቍር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ፡ በረኸት ግና ርእሲ እቲ እኽሉ ዚሸይጥ ይዐስል።
27 ሰናይ ዚደሊ ሞገስ ይደሊ፡ እከይ ዚደሊ ግና ኪመጾ እዩ።
28 ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፡ ጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ።
29 እቲ ንቤት ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ፡ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን።
30 ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ።
31 እንሆ፡ እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ፡ እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ።

 

1 ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።
2 ደጊ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበል፡ ተንኰለኛ ግና ይዅንኖ።
3 ሳላ ረሲእነት ዚቐውም ሰብ የልቦን፡ ሱር እቶም ጻድቃን ግና ምንቕ ኣይብልን።
4 ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታእተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።
5 ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፡ ምኽሪ ረሲኣን ግና ጥበራ እዩ።
6 ዘረባ ረሲኣን ንምፍሳስ ደም የድቢ፡ ኣፍ እቶም ቅኑዓት ግና የድሕኖም።
7 እቶም ረሲኣን ይግልበጡ እሞ ኣይርከቡን፡ ቤት ጻድቃን ግና ይቐውም።
8 ሰብኣይ ብመጠን ፍልጠቱ እዩ ዚነኣድ፡ ቄናን ዝልቡ ግና ይንዐቕ።
9 ካብቲ እንጌራ ዜብሉ ኽብረት ዚድልስ፡ እቲ ዘይምርኡይን ሓደ ግዙእ ዘለዎን ይሐይሽ።
10 ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።
11 ምድሩ ዚወላወል ሰብ እንጌራ ይጸግብ፡ ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን።
12 ረሲእ ነቲ ወጽመድ እኩያት ሃረር ይብሎ፡ ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይህብ።
13 እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ፡ ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመሉቝ።
14 ሰብ ብግብረ ኣፉ ሰናይ ይጸግብ፡ ከም ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ኪፍደ እዩ።
15 እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ።
16 ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ።
17 ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ።
18 ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።
19 ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር፡ ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ።
20 እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት ኣሎ፡ እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም።
21 ንጻድቕ ገለ ኽፉእ ኣይረኽቦን፡ ረሲኣን ግና ሕሰም መሊእዎም እዩ።
22 ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጕስዎ።
23 ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሐብእ፡ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ።
24 ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ።
25 እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።
26 ጻድቕ ንብጻዩ መገዲ ይሕብሮ፡ ንረሲኣን ግና መገዶም ተጋግዮም።
27 ሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶን፡ ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ።
28 ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት ኣላ፡ ኣብ መተሓላለፊኣ ኸኣ ሞት የልቦን።

 

1 ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።
2 ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰ፡ ነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ።
3 ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ።
4 ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል ኣላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
5 ጻድቕ ብዘረባ ሓሶት ይጸልኦ፡ ረሲእ ግና ይንውርን የነውርን።
6 ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎ፡ ረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ።
7 ገለ ዜብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ፡ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ።
8 ሃብታም ብገንዘቡ ንህይወቱ ይብጀዋ፡ ድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን።
9 ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ፡ መብራህቲ ረሲኣን ግና ኪጠፍእ እዩ።
10 ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ።
11 ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ።
12 ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።
13 ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ።
14 ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ፡ ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።
15 ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብ፡ መገዲ ጠለምቲ ግና ተራር እያ።
16 ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዓዪ፡ ዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ።
17 ረሲእ ልኡኽ ኣብ እከይ ይወድቕ፡ እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ።
18 ነቲ ተግሳጽ ዘይቅበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር።
19 እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፡ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ።
20 ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።
21 ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮም፡ ጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ።
22 ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
23 ድኻታት ዝሐረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ፡ ሰኣን ቅንዕና ዚጠፍኡ ግና ኣለዉ።
24 ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
25 ጻድቕ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕ፡ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ።

 

1 ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።
2 ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ፡ መገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ።
3 ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎ።
4 ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ።
5 እሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ።
6 መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፡ ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግሮን።
7 ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ።
8 ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ።
9 እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ ኣሎ።
10 ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወስን።
11 ቤት ረሲኣን ይዐኑ፡ ድንኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ።
12 ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
13 ልቢ እናሰሐቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ።
14 እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ።
15 ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን።
16 ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፡ ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ።
17 ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፡ ተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ።
18 እቶም ደናቝርቲ ዕሽነት ይርስተዩ፡ ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።
19 እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያት፡ ረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ።
20 ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦ፡ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።
21 እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፡ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ።
22 እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም∶ ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዚሐስቡ እዩ።
23 ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ ኣሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ረሲእነት ጥራይ የብጽሕ።
24 ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኵሉ ጊዜ ዕሽነት እዩ።
25 ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን፡ ሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ።
26 ጽኑዕ እምንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም።
27 ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።
28 ምብዛሕ ህዝቢ ክብሪ ንጉስ እዩ፡ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ።
29 እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ።
30 ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ።
31 እቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።
32 ረሲእ ብእከዩ ይግምጠል፡ ጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ ጸግዒ ኣለዎ።
33 ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሐድር፡ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽ።
34 ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ።
35 ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ፡ ቍጥዓኡ ግና ነቲ ዜነውር እዩ።

 

1 ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።
2 ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል።
3 ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም።
4 ልዝብቲ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮ።
5 ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን።
6 ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፡ ኣብ እቶት ረሲኣን ግና ህውከት ኣሎ።
7 ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ።
8 መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።
9 እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ።
10 መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት።
11 ሲኦልን መዓሙቕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ።
12 መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን።
13 ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሃየ ግና መንፈስ ይስበር።
14 ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
15 ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።
16 ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሓይሽ።
17 ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ።
18 ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ።
19 ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾዅ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ።
20 ጥበበኛውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ።
21 ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።
22 ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ።
23 ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።
24 ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።
25 እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቝሞ።
26 እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።
27 እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።
28 ልቢ ጻድቕ ዚምልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል።
29 እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።
30 ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ፡ ብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ።
31 እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር።
32 እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም።
33 ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ።

 

1 ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
2 ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዝመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።
3 ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ።
4 እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ።
5 ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
6 ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ።
7 እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።
8 ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻ፡ ሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽ።
9 ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።
10 ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ ኣሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገን።
11 ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ከኣ ተግባሩ እዩ።
12 ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎ።
13 ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎ።
14 ቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ።
15 ገጽ ንጉስ እንተ በርሄ፡ ህይወት እዩ፡ ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ብዙሓት እዩ።
16 ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር።
17 ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ ኣኩይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ።
18 ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት።
19 ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ።
20 ነቲ ቓል ዜቅልበሉ ሰናይ ይረክብ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ።
21 ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል፡ ጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽ።
22 ምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ።
23 ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን።
24 ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።
25 ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
26 ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዓዪ።
27 ሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ።
28 ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
29 ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ፡ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ።
30 በዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ።
31 ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።
32 ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ።
33 ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።

 

1 ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቝራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ።
2 ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።
3 መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
4 እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ።
5 ንድኻ ዜባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ብጕድኣት ዚሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
6 ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
7 ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኽናፍር ከመይ ኢለን።
8 መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ብሩር ዕንቍ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ።
9 ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
10 ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ፡ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።
11 እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰደሉ።
12 ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዝጓ ነፈካስ፡ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ።
13 ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዚፈዲ፡ መከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን።
14 ምጅማር ቈየቛ ከም ምኽፋት መገዲ ውሕጅ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ።
15 እቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።
16 ዓሻስ ልቢ የብሉን እዩ እሞ፡ ጥበብ ኪገዝእሲ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዋጋ ንምንታይ ይጠቅም∶
17 ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።
18 ልቢ ዜብሉ ሰብ ኣገን ይጠቅዕ፡ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኸኣ ይውሐስ።
19 ባእሲ ዚፈቱ ሓጢኣት ይፈቱ፡ ንደጊኡ ዜንውሕ ምብራስ ይደሊ።
20 ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብን፡ ወስላታ ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ።
21 ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጕሂ፡ ኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን።
22 ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
23 ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቝፊ ይወስድ።
24 ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ ኣላ፡ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን።
25 ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፡ ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ።
26 ንጻድቕ ምቕጻዕ፡ ንኽቡራት ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ሰናይ ኣይኰነን።
27 እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።
28 ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።

 

1 እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒት ይደሊ፡ ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ።
2 ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።
3 ረሲእ እንተ መጸ፡ ንዕቀት ድማ ይወጽእ፡ ምስ ነውሪውን ጸርፊ ይመጽእ።
4 ቃላት ኣፍ ሰብ ጥልቂ ማያት እዩ፡ ናይ ጥበብ ዓይኒ ማይ ከኣ ወሓዚ ርባ እዩ።
5 ጻድቕ ምእንቲ ኺግፋዕ ኢልካ፡ ምስ ረሲእ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኰነን።
6 ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይአትዋ፡ ኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ።
7 ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።
8 ቃላት ጠባው እዝኒ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።
9 እቲ ንዕዮ ሸለል ዚብሎ ሰብሲ ሓው በታን ገንዘብ እዩ።
10 ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ።
11 ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ክብ ዝበለ ቀጽሪ እዩ።
12 ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ይብል፡ ትሕትና ኸኣ ንኽብረት ትቕድማ።
13 ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።
14 ሰብ እንተ ሐመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል∶
15 ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።
16 ንሰብ ውህበቱ መገዲ የርሕበሉ፡ ናብ ዓበይቲ ኸኣ የእትዎ።
17 እቲ ቅድም ነገሩ ዜፍርስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ።
18 ዕጭ ውድቕ ንባእሲ ይውድኦ፡ ንብርቱዓት ይፈላልዮም።
19 ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም፡ ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ።
20 ከብዲ ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ይጸግብ፡ ካብ እቶት ከናፍሩ ኸኣ ይጸግብ።
21 ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ።
22 እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።
23 ድኻ እናለመነ ይዛረብ፡ ሃብታም ግና ብትሪ ይመልስ።
24 ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ ኣሎ።

 

1 ካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሓይሽ።
2 ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት።
3 ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር።
4 ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፡ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሐድጎ።
5 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን።
6 ንኸበርቴ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፡ ነቲ ዓዳል ውህበታት ድማ ኵሎም ፈተውቱ እዮም።
7 ንድኻ ዅሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፡ ምናዳ እኳ ፈተውቱ ኻብኡ ይርሕቁ፡ ብቓላት ይስዕቦም፡ ግናኸ የለዉን።
8 ልቦና ዜጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፡ ንምስትውዓል ዜድህበሉ ሰናይ ይረክብ።
9 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ።
10 ንዓሻ ጣዕሚ ንብረት ኣይግብኦን፡ ምናዳ እኳ ንባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን።
11 ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ።
12 ኵራ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ።
13 ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከየቋረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ።
14 ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ።
15 ትህኪት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ።
16 ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት።
17 እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
18 ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።
19 እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ።
20 ኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል።
21 ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና ኣሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።
22 ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ፡ ካብ ሓሳውስ ድኻ ይሐይሽ።
23 ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሐድር፡ ክፉእ ከኣ ኣይረኽቦን።
24 ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይምልሳን።
25 ንመላገጺ እንተ ገረፍካዮ፡ ገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንበዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል።
26 እቲ ነቦኡ ዜጥፍእ ነዲኡውን ዚሰጕጕ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ።
27 ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዑ ሕደጎ።
28 ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ።
29 ፍርዲ ንመላገጽቲ፡ መውቃዕቲ ኸኣ ንዝባን ዓያሱ ተዳልዩሎም ኣሎ።

 

1 ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።
2 ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ ዜሰምብድ፡ እዜዀርዮ ንህይወቱ ይብድላ።
3 ንሰብ ካብ ቈየቛ ምርሓቕ ክብረት እዩ፡ ዓሻ ግና ዘሊሉ ይአትዎ።
4 ሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።
5 ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ።
6 ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ
7 ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።
8 ኣብ ዝፋን ፍርዲ እተቐመጠ ንጉስ እከይ ንዘበለ ዅሉ በዒንቱ ይብትኖ።
9 ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሄ፡ ኪብል ዚኽእል መን እዩ∶
10 ክልተ ዓይነት ሚዛን፡ ክልተ ዓይነት መስፈሪ፡ እዚኣተን ክልቲኤን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን።
11 ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ ይፍለጥ።
12 ነታ ሰማዒት እዝንን፡ ነታ ረኣዪት ዓይንንሲ፡ ንኽልቲኤን እግዚኣብሄር እዩ ዝገበረን።
13 ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶ፡ ነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።
14 ዓዳጊ፡ ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ፡ ይብል፡ መግዱ ምስ ከደ ግና ይሕበን።
15 ወርቅን ብዙሕ ዕንቍን ኣሎ፡ ፈላጣት ከናፍር ግና ክቡር ኣቕሓ እየን።
16 ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ወሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጓንትሲ ታሕዚ ኻብኡ ውሰድ።
17 እንጌራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፡ ደሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።
18 ሃቐና ብምኽሪ ይጸንዕ፡ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ።
19 እቲ እናዞረ ዚሐሚ፡ ምስጢራት ይቐልዕ፡ ስለቲ ምስቲ ኸናፍሩ ዜግፍሕ ሰብ ኣይትተሐወስ።
20 እቲ ነቦኡን ነዲኡን ዚረግም መብራህቱ ኣብ ማእከል ድቕድቕ ጸልማት ኪጠፍእ እዩ።
21 እቲ ብመጀመርታ ቐልጢፉ እተአከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ።
22 እከይ ኪፈዲ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነካ እዩ።
23 ክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጠባሪ ከኣ ሰናይ ኣይኰነን።
24 ስጉምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር እዩ ዚምራሕ፡ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመገዱ ዜስተውዕላ=
25 ብሃንደበት እተቐደሰ እዩ ምባልን ድሕሪ መብጽዓ ምምርማርንሲ፡ ንሰብ መፈንጠራ እዩ።
26 ጥበበኛ ንጉስ ነቶም ረሲኣን የዝርዎም፡ ብመንኰራዅር ድማ ይደርጾም።
27 መብራህቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ።
28 ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልዋኦ፡ ንሱ ብምሕረት ንዝፋኑ የጽንዖ።
29 ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።
30 ሰመርመር ዚብል ስምብራት ካብ ክፍኣት የጽሪ፡ ከምኡውን መውቃዕቲ ንውሻጠ ልቢ የጽርዮ።

1 ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ።
2 ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን።
3 እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዚፈቱ።
4 ኵርዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ።
5 ሃቐና እቲ ትጉህ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ስእነት ጥራይ ይህወኽ።
6 እቲ ብሓሳዊት መልሓስ ኣተአከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ፡ ናብ ወጽመድ ሞት ከኣ የውድቕ።
7 ቅንዕና ምግባር ኣብዮም እዮም እሞ፡ ነቶም ረሲኣንሲ ግፍዖም ጥፍኣቶም እዩ።
8 መገዲ እቲ በደለኛ ጥውይዋይ እያ፡ ንጹህ ሰብ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።
9 ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
10 ነፍሲ ረሲእ ንእከይ ትምነዮ፡ ብጻዩውን ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ኣይረክብን።
11 ንመላገጺ እንተ ቕጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እንተ መሀርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል።
12 እቲ ጻድቕ ንቤት ረሲእ ይምልከቶ፡ ነቶም ረሲኣን ከኣ ናብ መከራ የጽድፎም።
13 እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።
14 ብስዉር ዝአተወ ገጸ በረኸት ኵራ የህድእ፡ሕቡእ ውህበትውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ።
15 ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐሱ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ።
16 እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዚዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምዉታት ይነብር።
17 ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።
18 ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ድማ ጠላሚ ይሐልፍ።
19 ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይትስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ።
20 ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።
21 እቲ ንጽድቅን በጕነትን ዝስዕብ፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ።
22 ጥበበኛ ሰብ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብ፡ ንሓይሊ እምንቶኣ የፍርሶ።
23 እቲ ኣፉን መልሕሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።
24 ዕቡይን ኵሩዕን ሰብ መላገጺ እዩ ስሙ፡ ንሱ ብናይ ትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።
25 ሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይአብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ።
26 ምሉእ መዕልቲ ብህርፋን ዚምነ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ።
27 መስዋእቲ እቶም ረሲኣን ፍንፉን እዩ፡ ምናዳ እኳ ብእኩይ ሓሳብ እንተ ኣቕረቦ።
28 ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፡ ዚሰምዕ ሰብ ግና ኵሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ።
29 ረሲእ ሰብ ገጽ ድርቅና የርኢ፡ ጻድቕ ግና መገዱ የጽንዕ።
30 ጥበበ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን።
31 ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

 

1 ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።
2 ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዅላቶም ዝገብሮም እግዚኣብሄር እዩ።
3 ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።
4 ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።
5 እሾዅን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ካብኡ ይርሕቕ።
6 ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
7 ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
8 እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድ፡ ብሸቦጥ ቍጥዓኡ ይጠፍእ።
9 እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ ኣንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ።
10 ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ።
11 እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ።
12 ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና እቲ ጠላሚ ይግልብጦ።
13 ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል።
14 ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕ።
15 ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ ኣሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።
16 ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።
17-18 ኣብ ውሽጥኻ ኣንተ ኣርነብካየን፡ ኵላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እይ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ።
19 እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎሚ ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ።
20-21 ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ∶
22-23 እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ።
24-25 መገዱ ምእንቲ ኸይትምሃር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።
26 ካብቶም ኢዶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን።
27 ምፍዳይ እንተ ሰኣንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ∶
28 ኣቦታትካ ዜቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል።
29 ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ∶ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን።

 

1 ኣብ መኣዲ ምስመኰነን እንተ ተስራዕካ፡ መን ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል፡
2 ስሱዕ እንተ ዀንካስ፡ ንጐሮሮኻ ኻራ ኣቕርበሉ፡
3 ጠባሪ ብልዒ እዩ እሞ፡ ነቲ ጥዑም በብልዑ ኣይትብሀጎ።
4 ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ።
5 ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ∶
6 ናይ ክፉእ ዝዓይኑ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ጣዕሚ መብልዑ ኸኣ ኣየብህግካ፡
7 ብላዕ ስተ፡ ይብለካ፡ ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ፡ ልቡ ምሳኻ ኣይኰነን።
8 ነታ ዝበላዕካያ ዅላሶ ኽትተፍኣ ኢኻ፡ ነቲ ጽቡቕ ዘረባኻውን ከተጥፍኦ ኢኻ።
9 ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ ኣዝኑ ኣይትዛረብ።
10 ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል፡ ናብ ግራት ዘኽታማት ከኣ ኣይትአቶ።
11 እቲ ጠበቓኦም ብርቱዕ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ኣብ ክንዳኦም ኪማጐተልካ እዩ።
12 ልብኻ ናብ ተግሳጽ ፡ ኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።
13 ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ።
14 ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።
15 ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ፡ ኣነውን ልበይ ይሕጐስ፡
16 እወ፡ ከናፍርካ ቅንዕና እንተ ተዛረበ፡ ኰላሊተይ ደስ ይብለን።
17-18 ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
19 ኣታ ወደየ፡ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፡ ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮ።
20-21 ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።
22 ነቲ ዝወለደካ ኣቦኽ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዓቃ።
23 ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኣይትሽጣ፡ ንጥበብን ተግሳጽን ኣእምሮ ኸኣ።
24 ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፡ ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ።
25 ኣቦኻን ኣዴኻን ብኣካ ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ድማ ባህ ይበላ።
26 ወደየ፡ ልብኻ ሀበኒ፡ ኣዒንትካ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን።
27 ኣመንዝራስ ዓሚቝ ዓዘቕቲ እያ፡ ሰበይቲ ኻልእ ጸቢብ ጕድጓድ እያ።
28 ከም ከታሪ ተድቢ፡ ንብዙሃት ሰብውን ጠለምቲ ትገብሮም።
29 ዋይዋታ ንመን እዩ∶ ሓዘን ንመን እዩ∶ ባእሲ ንመን እዩ∶ ምስቍርቋር ንመን እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ∶ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ∶
30 ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ፡ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኺመርጹ ዚእከቡ እዩ።
31 ወይኒ ምቕያሑ፡ ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ፡ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ።
32 ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፋፍ የብል።
33 ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ፡ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ።
34 ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን፡
35 ወቒዖምንስ ኣይትሰምዓንን፡ ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡ መኣዝ ክነቅሕ እየ∶ መሊሰ ኽደልዮ እየ።

 

1-2 ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ጥፋኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።
3 ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።
4 ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ።
5 ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ።
6 እምብኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ።
7 ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፉ ኣብ ደገ ኣይከፍትን።
8 እከይ ኪገብር ዚሓስብ ሰብሲ፡ ሰራሕ ነገር እዩ ዝበሃል።
9 ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፉን እዩ።
10 ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።
11 ነቶም ናብ ሞት ዚጕተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።
12 እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ፡ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ፡ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።
13 ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።
14 ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተምሃር እምበር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ ኣሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቝረጽን እዩ።
15 ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ።
16 እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።
17-18 እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጉሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጸላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
19-20 እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንዴል ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጽርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።
21 ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸንበር።
22 ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ∶
23 እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን።
24 ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም።
25 እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ።
26 ቅኑዕ ምላሽ ዚህብ፡ ከናፍር ይስዕም።
27 ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ።
28 ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጕድኣዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር።
29 ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ብሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል።
30 ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡
31 እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ።
32 ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡
33 ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡
34 ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።

 

1 እዘን ምስላታት እዚኤን ድማ ናይ ሰሎሞን እየን፡ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት ከኣ ኣኽበብወን።
2 ክብሪ እግዚኣብሄርሲ ምስዋር ነገር እዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።
3 ልዕልና ሰማይን መዓሙቝ ምድርን ልቢ ነገስታት ኣይተመርማርን እዩ።
4 ንብሩር ካብ ዛዕጉ ኣጽርዮ እሞ፡ ሽዑ ነንጠረኛ ኣቕሓ ይወጸሉ።
5 ንረሲእ ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆ፡ ሽዑ ዝፋን ንጉስ ብጽድቂ ይጸንዕ።
6-7 ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ መስፍን ካብ እትዋረድሲ፡ ናብዚ ልዕል በል፡ ኪብሉኻ ይሕሸካ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትጀሃር፡ ኣብ ቦታ ዓበይቲ ኣይትቝም።
8 ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ኣብ መወዳእታ እትገብሮ ኸይጠፍኣካስ፡ ናብ ባእሲ ኣይትቐልጥፍ።
9-10 ዝሰምዔ ኸይጸርፈካ፡ ስምካ ኸኣ ከይከፍእሲ፡ ነገርካ ምስ ብጻይካ ተማጻረ፡ ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ።
11 ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።
12 ንትሰምዕ እዝንስ ጥበበኛ ገሳጺ ከም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።
13 እሙን ልኡኽ ነቶም ዚልእክዎ ኸምቲ ዛሕሊ ውርጪ ብጊዜ ቕውዒ እዩ፡ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የቕስና።
14 ብዛዕባ ህያቡ ብሓሶት ዚጅሀር ሰብሲ፡ ከምቲ ዝናም ዜብሉ ደበናን ንፋስን እዩ።
15 ፈራዲ ብትዕግስቲ ይቕልስ፡ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር።
16 መዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስ: ዚኣኽለካ ብላዕ።
17 ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ከይጸልኣካስ፡ ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተዘውትር።
18 እቲ ኣብ ብጻዩ ሓሶት ዚምስክርሲ ሞደሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።
19 ብመዓልቲ ጸበባ ንዚጽግዖ፡ ብዅባዅ ስንን መንሳተቲ እግርን እዩ።
20 ንሕዙን ልቢ ደርፊ ዚደርፈሉስ ከምቲ ብጊዜ ቝሪ ንመደረብታኡ ዚቕንጥጦን ኣብ ጨው ከኣ መጺጽ ዜእትወሉን እዩ።
21 ጸላኢኻ እንተ ጠመየ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን፡ ማይ ኣስትዮ።
22 በዚ ኸምዚ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ትእክብ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪፈድየካ እዩ።
23 ንፋስ ሰሜን ዝናም የምጽእ፡ ሓማይት ልሳን ከኣ ገጽ ተጸውግ።
24 ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
25 ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ብስራት፡ ከም ዝሑል ማይ ንዝጸምኤት ነፍሲ እዩ።
26 ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።
27 መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዜሸግር እዩ።
28 መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቀጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።

 

1 ከምቲ በረድ ንጽብሓት፡ ዝናም ከኣ ንቐውዒ፡ ከምኡውን ንዓሻ ኽብረት ኣይግብኦን።
2 ምኽንያት ዜብሉ መርገምሲ ኸምታ እትነፍር ጭሩ፡ ከምታ እትበርር ለዃዂቶ ኣይበጽሕን እዩ።
3 ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ።
4 ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ።
5 ዓሻ፡ ጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ።
6 እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ።
7 ኣእጋር መጻጕዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ።
8 ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኩምራ እምኒ ምድርባይ እዩ።
9 ምስላ ኣብ ኢድ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ።
10 እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዓል፡ ከምቲ ንዚረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ።
11 ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።
12 ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብኡኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።
13 እቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ፡ ይብል።
14 ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራት ይዘውር።
15 ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ድኻም ይዀኖ።
16 ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዝምለሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ።
17 እቲ ናብ ዘይነገሩ ዜኣቱ ሓላፍ መገዲ ከምቲ ንእዝኒ ኸልቢ ዚሕዝ እዩ።
18-19 እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።
20 ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።
21 ከሰል ንጓህሪ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር።
22 ዘረባ ሃማዪ ኸኣ ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።
23 ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ብዓፍራ ብሩር ከም እተለበጠ ኣቕሓ መሬት እዩ።
24 ጸላኢ ብኸናፍሩ የምስል፡ ኣብ ውሽጡ ግና ጥበራ የንብር።
25 ኣብ ልቡ ሾብዓተ ዜፈንፍን ኣለዎ እሞ፡ ድምጹ ኣልዚቡ እንተ ተዛረበ እኳ፡ ኣይትእመኖ።
26 ጽልኡ ብተንኰል እንተ ተሐብኤ እኳ፡ ክፍኣቱስ ኣብ ማሕበር ኪቕላዕ እዩ።
27 ጕድጓድ ዚዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዜንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ።
28 ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዘቝሰለቶም ትጸልኦም፡ መቀባጠሪ ኣፍ ከኣ ጥፍኣት የምጽእ።

 

1 መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ።
2 ካልእ ይንኣድካ፡ ጓና እምበር፡ ከናፍርካ ኣይኰነን።
3 እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና ኣንጸርጽሮት ዓሻ ይኸብድ።
4 ቍጥዓ ጨካን እዩ፡ ኵራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅንኢ ግና መን ደው ይብል∶
5 ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ።
6 ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።
7 ንዝጸገበት ነፍስስ ወለላ መዓር ትርግጽ፡ንዝጠመየት ነፍሲ ግና ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ።
8 ካብ ቤቱ ወጺኡ ዚዅብልል ሰብ፡ ቤታ ሐዲጋ ኸም እትዅብልል ዑፍ እዩ።
9 ቅብእን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ።
10 ፈታዊኻን ፈታው ኣቦኻን ኣይትሕደግ፡ ብመዓልቲ ጸበባኻ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትኺድ፡ ካብር ርሑቕ ዘሎ ሓውስ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሓይሽ።
11 ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሕጕሶ።
12 ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።
13 ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እታ ጓና ኻብኡ ታሕዚ ውሰድ።
14 እቲ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ዚምርቖ፡ ከም ዚረግም እዩ ዚቝጸር።
15 ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።
16 ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዅን እዩ።
17 ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
18 ንበለስ ዚኸናኸን፡ ፍሬኣ ይበልዕ፡ ንጐይታኡ ዚከናኸን ከኣ ይኸብር።
19 ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዘርእዮ፡ ከምኡ ኸኣ ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ።
20 ሲኦልን መዓመቝን ከቶ ኣይጸግቡን፡ ከምኡውን ኣዒንቲ ሰብ ኣይጸግባን እየን።
21 መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነኣዶ ይፍለጥ።
22 ንዓሻ ኣብ ሞጕእ ምስ ጕርዲ ብንኢ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ እቲ ዕሽነቱ ኣይምሐደጎን።
23-24 ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ።
25 ዕላም ሐሊፉ ለቕሚ በቝሉ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ መኸል ተኣኪቡ።
26 ዕያውቲ ንኽዳንካ፡ ድቤላውን መዓድግ ግራት ኣሎካ፡
27 ጸባ ኣጣል ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድኻን ኪኣክል እዩ።

 

1 ረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀድሙ፡ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ።
2 ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታታ ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ።
3 ንመስኪን ዘጨንቕ ድኻስ፡ ከምቲ ደምሲሱ እንጌራ ዚኸልእ ዝናም እዩ።
4 መፍረስቲ ሕጊ ንረሲኣን ይንእድዎም፡ ሓለውቲ ሕጊ ግና ይዋግእዎም።
5 እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ኵሉ የስተውዕሉ።
6 ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲ፡ ንብጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
7 ንሕጊ ዚሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ፡ ምስ ሓሻሻት ዚመሐዞ ግና ነቦኡ የሕፍሮ።
8 እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሐረጣን ገንዘቡ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ።
9 እቲ ሕጊ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን ኡዩ።
10 እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ እኩይ መገዲ ዜእትዎም፡ ባዕሉ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፡ እቶም ፍጹማት ግና ሰናይ ኪወርሱ እዮም።
11 ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ይመስሎ፡ ግናኸ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ይዕዘቦ።
12 ጻድቃን እንተ ተዐወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፡ ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ ግና፡ ሰብ ይሕባእ።
13 ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
14 ኵሉ ግዜ ዚፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ልቡ ዜትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።
15 ኣብ ድኻ ህዝቢ ዚገዝእ ረሲእ ከም ዚጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
16 ኣእምሮ ዜብሉ መስፍን ብዙሕ የገፍዕ፡ ንፍገት ዚጸልእ ግና መዓልትታቱ የንውሕ።
17 ደም ነፍሲ ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሀድም፡ ሓደ እኳ ኣይዕገቶ።
18 ብዘይ መንቅብ ዚመላለስ ይድሕን፡ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ብኡብኡ ይወድቕ።
19 ግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ።
20 እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
21 ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን፡ ሰብ ምእንቲ ቝራስ ኣንጌራ ይብድል።
22 ክፉእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍ፡ ሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን።
23 ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዜቀባጥርሲ፡ እቲ ንሰብ ዚግስጾ ደሓር ዝበለጸ ሞገስ ይረክብ።
24 እቲ ኻብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዚሰርቕ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ዚብል፡ ንሱ መሓዛ መጣፍኢ እዩ።
25 ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ።
26 ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመልለስ ግና የምልጥ።
27 ንድኻ ዚህብ ገለ ኣይጐድሎን፡ ነቲ ኣዓንቱ ዚኦምቶ ግና ብዙሕ መርገም ይወርዶ።
28 ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ፡ ሰብ ይሕባእ፡ እንተ ጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይዕምሩ።

 

1 እቲ ብዙሕ ተገሲጹ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ፡ መድሃኒትውን የብሉን።
2 ጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍር።
3 ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገንዘቡ ይውድእ።
4 ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍእ።
5 እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ።
6 ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውን።
7 ጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎ፡ ረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልጥን።
8 መላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኵራ ይመልሱ።
9 ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን።
10 እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎ፡ ቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩ።
11 ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።
12 እቲ ብሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኵሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም።
13 ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዜብርህ እግዚኣብሄር እዩ።
14 እቲ ንመስኪን ብቕንዕና ዘፈርዶም ንጉስ፡ ዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕ።
15 ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።
16 ረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕ፡ ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ።
17 ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።
18 ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።
19 ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዐለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕን።
20 ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ∶ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።
21 እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን።
22 ቍጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕል፡ ተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕ።
23 ንሰብ ትዕቢት የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ።
24 እቲ ምስ ሰራቒ ዚሐብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽን።
25 ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።
26 ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ፡ ፍርዲ ነፍሲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
27 ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፉን እዩ።

 

1 እዚኣ ናይ ኣጉር ወዲ ያቂ ቃላትን ንግራትን እያ። እቲ ሰብኣይ እቲ ንኢቲኤል፡ ንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዚ ይብል፡
2 ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣነ ደንቆሮ እየ፡ ኣእምሮ ሰብ የብለይን።
3 ጥበብ ኣይተምሀርኩን፡ ፍልጠት እቲ ቅዱስ የብለይን።
4 ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ∶ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ∶ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ∶ እንታይ እዩ ስሙ∶ ስም ወዱኸ እንታይ እዩ∶ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ∶
5 ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ።
6 ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።
7 ኣነ ኽልተ ነገር እየ ዝልምነካ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንእኤን ኣይትኽልኣነ፡
8-9 ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ∶ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይሃበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ።
10 ምእንቲ ኸይረግመካ፡ በዳሊ ኸኣ ከይትኸውንሲ፡ ንግልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ።
11 ነቦኡ ዚረግም፡ ነዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ ኣሎ።
12 ርኽሰቱ ዘይተሐጽበስ፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ዚብል ወለዶ ኣሎ።
13 ዕቡይ ዝዓይኑ፡ ኵሩዕ ዝቘላሕታኡ ወለዶ ኣሎ።
14 ነመሳኪን ካብ ምድሪ፡ ንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲ፡ ሰይፊ ዝስኑ፡ ካራታት ዝዅርምቱ ወለዶ ኣሎ።
15 ዓለቕትስ፡ ሀበኒ፡ ሀበኒ፡ ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግብ ሰለስተ እዮም፡ ኤረ ይኣክል ዝይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡
16 ሲኦልን ዘይወልድ ማሕጸንን ማይ ዘይጸግብ መሬትን ይኣኽለኒ ዘይብል ሓውን እዮም።
17 እቲ ነቦኡ ዜባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዚንዕቃ፡ ንዓይኑ ኳዃት ርባ ኺጕጥጕጥዎ፡ ጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኺበልዕዋ እዮም።
18 ኣዝዩ ዚገርመኒ ሰለስተ ነገር ኣሎ፡ ኤረ ዘይፈልጦስ ኣርባዕተ እዩ፡
19 መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ መገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ።
20 ኣመንዝራ ሰበይቲውን መገዳ ኸምኡ እዩ፡ በሊዓ ኣፋ ሕብስ ኣቢላ፡ ገለ እከይ እኳ ኣይገብርኩን፡ ትብል።
21 ምድሪ ብሰለስተ ነገር ተንቀጥቅጥ፡ ኤረ ኽትጾሮ ዝይትኽእልሲ ኣርባዕተ እዩ።
22 ባርያ እንተ ነገሰ፡ ዓሻ እንጌራ እንተ ጸገበ፡
23 እተጸልኤት ሰበይቲ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፡ ገረድ ከኣ ንእምበይታ እንተ ወረሰታ።
24 ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣዝዮም ጥበበኛታት እዮም።
25 ጻጸ ሓይሊ ዜብሉን ህዝቢ እዩ፡ ግናኸ ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ።
26 ጊሔታይ ሓይሊ ዜብለን ህዝቢ እየን፡ ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይገብራ።
27 ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፡ ግናኸ በገባብ ሓቢሩ ይጕዓዝ።
28 ጠበቕ ብኢድካ ምሓዙ ዚከኣል እዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣደራሽ ንገስታት ይርከብ።
29 ስለስተ ብጽቡቕ ኣኻይዳ ይስጕሙ፡ ኤረ ግሩም ገይሮም ዚራመዱስ ኣርባዕተ እዮም፡
30 ካብ ኵሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፡
31 ናብ ውግእ ዚነቅል ፈረስ፡ ድቤላ፡ ቀቅድሚ ሰራዊቱ ዚኸይድ ንጉስ።
32-33 ርጕኦ እንተ ተሐቝነ፡ ልኻይ የውጽእ፡ ኣፍንጫ እንተ ተወቕዔ፡ ደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኵራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።

 

1 ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት፡
2 ኣየ፡ ኣታ ወደየ፡ እንታይ∶ ኣታ ውሉድ ከርሰይ፡ እንታይ∶ እንታይ እሞ፡ ኣታ ወዲ መብጽዓይ∶
3 ሓይልኻ ነንስቲ፡ መገድኻ ኸኣ ነተን መጥፋእቲ ነገስታት ኣይትሀብ።
4-5 ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዅሎም ግፉዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ ∶ ኪብሉ ኣይግባእን።
6 ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ።
7 ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።
8 ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈት።
9 ኣፍካ ኽፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።
10 ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባ∶ ዋጋኣ ኻብ ኩቡር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር።
11 ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን።
12 ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን።
13 ጸጕርን ልሕጺ እንጣጢዕን ትደሊ፡ ተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ።
14 ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ።
15 ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።
16 ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል።
17 ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ።
18 ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።
19 ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛ።
20 ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም።
21 ኵሎም ስድራኣ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን።
22 ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ።
23 ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ።
24 ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፡ መቐነት ነጋዳይ ትህቦ።
25 ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ።
26 ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ።
27 ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን።
28-29 ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ።
30 ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
31 ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...