ጽማቝ ሓሳባት ትንቢተ ኤርምያስ (Jeremiah)

እታ ንሱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ከም መልእኽቲ ዀይና ተቕርበሎም ኣላ ፣ ኣምላኽ ነቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣረማዊ ኣምልኾ ኸም እተኣመነሉ (ኣይሁድ ዘይኣመንቲ) ገለጸሎም ፣ ኤርምያስ ከም ዝገለጾ እቶም ህዝቢ ልክዕ ከም ዘይእሙናት ሰበይትን ዓለወኛታት ውሉዳትን እዮም ፣ ጥልመቶምን ዕልወቶምን ናብ ዝነበሮ ምምላስ ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ ዘይተርፍ ፍርዲ እዩ ነይሩ ። ነቲ ኣምላኽ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ምስ ህዝቡ ኺተኣታቶ ዝመደቦ ሓድሽ ኪዳን ብንጹር ኪርእዮ ጀመረ ። እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ ከምቲ ንሱ ንሕጉ ኣብ ውሽጦም ዘንበሮ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዘኽእል መገዲ ኢዩ ።

ትንቢተ ኤርምያስ (Jeremiah)

1 ኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል።
2 ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር መጸ።
3 ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስ፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብሓምሳይ ወርሒ መጾ።
4 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡
5 ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
6 ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩ።
7 እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል።
8 ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9 እግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር ኣሎኹ፡
10 ርኤ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቊስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቚመካ እየ፡ በለኒ።
11 ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ? ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ ኣሎኹ፡ በልኩ።
12 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ፡ በለኒ።
13 ቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ጊዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ? በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ እርኢ ኣሎኹ፡ በልኩ።
14 ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎም ኪፍኖ እዩ።
15 እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ኬንብሩ እዮም።
16 ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሐደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዐጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱን፡ ፍርደይ ክነግሮም እየ።
17 እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ።
18 እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎሚ ኣቚመካ እየ።
19 ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናባይ መጸ፡
2 ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ጨድር፡ ፍቕሪ ንእስነትክን፡ መርዓት ከሎኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን ከም ዝሰዐብክኒ፡ እዝክረልኪ ኣሎኹ።
3 እስራኤል ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ በዂሪ ቐውዑ ነበረ፡ ዚበልዕዎ ዘበሉ ይዕግቡ፡ሕሰም ድማ ኪወርዶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4 እቱም ቤት ያእቆብ፡ ኲላትኩም ከኣ ዓሌት ቤት እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡
5 ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሐቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ዝሰዓቡ፡ ንርእሶምውን ከንቱነት ዝዀኑስ እንታይ ዓመጻ ረኸቡለይ? ይብል እግዚኣብሄር።
6 ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ዘውጽኣና፡ ብበረኻ፡ ብምድሪ ጽምዋን ድንጒርን፡ ብምድሪ ኣጻምእን ድነ ሞትን፡ በቲ ሓደ እኳ ዘይሐልፎን ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓና እግዚኣብሄርሲ ኣበይ ኣሎ? ኣይበሉን።
7 ኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግና ምስ ኣቶኹም፡ ንምድረይ ኣርከስኩምዋ፡ ንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ።
8 ካህናት፡ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ኣይበሉን፡ ሕጊ ዝሐዙ ድማ ኣይፈለጡንን፡ ጓሶት ጠለሙኒ፡ ነብያት ብስም በዓል ተነበዩ፡ ደድሕሪ እቶም ዘይጠቕሙ ኸኣ ሰዐቡ።
9 ስለዚ ገና ኽካትዓኩም እየ፡ ምስ ደቂ ደቅኹም እኳ ኽካታዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
10 ናብ ደሴታት ኪቲም ተሳገሩ እሞ ርኣዩ፡ ናብ ቄዳር ልኣኹ እሞ ኣጸቢቕኩም ተመልከቱ፡ ከምዚ ዘመሰለ ከቶ ዀይኑ እንተ ዀነ ድማ ጠምቱ።
11 ዘይኣማልኽቲ ኽነሶምሲ፡ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ? ህዝበይ ግና ግርማኡ ንዘይጠቅም ለወጠ።
12-13 ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14 እስራኤልሲ ባርያዶ እዩ? ወይስ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ዶዀን እዩ? ስለምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ?
15 ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፡ ደሃዮም ኣስምዑ፡ ምድሩ ኸኣ ኣዕነው። ከተማታቱ ነደዳ፡ ዚነብረለን ድማ የልቦን።
16 ደቂ ኖፍን ታህፋኔስን ቅርቅርትኻ ፈገጹ።
17 እዚ ዝወረደክስ ነቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመርሓኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ስለ ዝሐደግኪዶ ኣይኰነን?
18 ሕጂኸ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ ኣብቲ ናብ ግብጺ ዚወስድ መገዲ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ? ወይስ ካብቲ ወሓዚ ርባ ኽትሰትዪ፡ ኣብቲ ናብ ኣሶር ዚወስድ መገድስ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ?
19-20 ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
21 ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ኻብ ጽሩይ ዓሌት ተኸልኩኺ፡ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ?
22 ብጨው ባሩድ እኳ እንተ ተሐጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና ኸኣ እንተ ኣዘውተርኪ፡ ኣበሳኺ ኣብ ቅድመይ ርኹስ ኰይኑ ይነብር፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
23 ከመይ ኢልኪ ኢኺ፡ ኣይረኸስኩን፡ ደድሕሪ በዓል ኣይሰዐብኩን፡ እትብሊ ዘሎኺ? ስጓሞኺ ናብቲ ለሰ ተመልከቲ፡ ዝገበርክዮ ዘክሪ፡ ኣብዝን ኣብትን ከም እትፋንን ገመል ኰንኪ።
24 በረኻ ኸም ዝለመደት፡ ከም ድሌታ ንንፋስ ፊንፊን እትብል፡ ሓደ እኳ ባህጋ ኪኽልክል ዘይኽእል ኣድጊ ኸደን፡ ከምኡ ዀንኪ። ዚደልይዋ ዂላቶም ብጒያ ኣይደኽሙን፡ ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ።
25 እግርኺ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡ ጐረሮኺ ድማ ካብ ምጽማእ ተጠንቀቒ። ንስኺ ግና፡ ጓኖት ፈትየ ኣሎኹ፡ ደድሕሪኦም ክስዕብ እየ እሞ፡ እዝስ እኳ ኣይኸውንን እዩ፡ በልኪ።
26 ከምቲ ሰራቒ ምስ ተታሕዘ ዚንውር፡ ከምኡ ቤት እስራኤል፡ ንሳቶም ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን፡ ኪንውሩ እዮም።
27 ዝባኖም እምበር፡ ገጾም ናባይ ኣይመለሱን እሞ፡ ንዕጨይቲ፡ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ፡ ንእምኒ ድማ፡ ንስኺ ወለድኽና፡ ይብሉ። ብጊዜ መከራኦም ግና፡ ተንስእ እሞ ኣድሕነና፡ ይብሉ።
28 ኣታ ይሁዳ፡ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ፍቕዲ ኸተማታትካ እዮም እሞ፡ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለው? ብጊዜ መከራኻ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ፡ ይተንስኡ።
29 ስለምንታይ ምሳይ እትካትዑ? ኲላትኩም ክሒድኩምኒ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
30 ብኸንቱ ንደቅኹም ወቓዕኩ፡ ንሳቶምውን ኣይተቐጽዑን። ሴፍኩም ከም ሰባሪ ኣንበሳ ዀይኑ ንነብያትኪም በልዖም።
31 ኣታ ወለዶ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል። ንእስራኤልዶ ጸምጸም በረኻ ወይስ ድቕድቕ ጸልማት ኰንክዎ? ስለምንታይ ደኣ ህዝበይ፡ ሓራ ውጹኣት ኢና፡ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን፡ ዚብሉ?
32 ጐርዞዶ ስልማታ ወይስ መርዓት ቅናታ ትርስዕ እያ? ህዝበይንንከ ቚጽሪ ዜብሉ መዓልትታት ረስዓኒ።
33 ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጒያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ ኢኺ። ስለዚ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መልመዲት ኢኺ።
34 ክሳዕ ኣብ ዘፋፍር ክዳንኪ ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተረኽበ፡ ስለ እዚ ዂሉ ደኣ እዩ እምበር፡ ኪጒሕሉስ ኣይረኸብክዮምን።
35 ምስናይ እዚ ድማ፡ ኣነ ንጽህቲ እየ፡ ቊጥዓኡ ኻባይ ኣርሒቑ ተመሊሱ እዩ፡ ትብሊ ኣሎኺ። እንሆ፡ ሓጢኣት የብለይን ስለ ዝበልኪ፡ ምሳኺ ኣብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።
36 ስለምንታይ መገድኺ ንምልዋጥ ትህወኺ ኣሎኺ? ከምቲ ብኣሶር ዝነወርክዮ፡ ብግብጺ ኸኣ ክትንውሪ ኢኺ።
37 እግዚኣብሄር ነቲ እትእመንዮ ደርብይዎ እዩ፡ ምሳታቶም ድማ ኣይኪቐንዓክን እዩ እሞ፡ ካብኡውን ኢድኪ ኣብ ርእስኪ ጌርኪ ኽትወጺ ኢኺ።

 

1 ብሁልዶ ኣይኰነን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኣብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተኣቶት፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ? እቲ ምድሪዶ ኣዝዩ ኣይረክስን? ንስኺውን ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ኣመንዚርክስ፡ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር።
2 ኣዒንትኺ ቛሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ኲርባታት ጠምቲ፡ ዘይደቀስክሉ ኣበይ ኣሎ? ከምቲ ወዲ ዓረብ ኣብ ጸምጸም በረኻ ዜድቢ፡ ኣብ መገዲ ተቐሚጥኪ ትጽበይዮም ነበርኪ፡ ብምንዝርናኽክን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ።
3 ብሰሪ እዚ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፡ ዝናም ጽብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገጽ ኣመንዝራ ስለ ዘሎኪ ምሕፋር ኣቤኺ።
4 ሕጂኸ፡ ኣቦይ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ፡ ኢልኪዶ ትጽውዕኒ ኣየሎኽን?
5 ንሓዋሩዶ ኪቚጣዕ እዩ? ክሳዕ መወዳእታዶኸ ኺጽመም እዩ? እንሆ፡ ከምዚ ኢልኪ ትዛረቢ፡ ግናኸ ክሳዕ ዚከኣለኪ ኽፋእ ትገብሪ ኣሎኺ።
6 እግዚኣብሄር ብዘመን ንጉስ ዮስያስ ከምዚ በለኒ፡ እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ነነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ዘዝለምዔ ኣእዋምን ከይዳ ኣብኡ ኣመንዘረት።
7 እዚ ዂሉ ምስ ገበረት ከኣ ናባይ ክትምለስ እያ። በልኩ፡ ግናኸ ኣይተመልሰትን። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸኣ ነዚ ረኣየት።
8 ነዛ ኸዳዕ እስራኤል እኳ ብምኽንያት ኲሉ ዝሙታ ፈቲሔያ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣውን ሂበያ ኸሎኹስ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸም ዘይሰክሔት፡ ኤረ ኸይዳ ኸም ዘመንዘረት ርኤኹ።
9 ኰነ ድማ፡ ብቕለት ምንዝርንኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፡ ምስ እምንን ዕጨይትን ከኣ ዘመወት።
10 ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ብግብዝና እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11 እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ ኸዳዕ እስራኤል ትጸድቕ፡ በለኒ።
12 ኪድ እሞ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ነዘን ቃላት እዚኤን ኣውጅ በልውን፡ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ኣነ መሓሪ፡ ቊጥዓ ንዘለኣለም ዘይዐቊር፡ ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ፡ ተመለሲ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13 እምበኣርስኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋም ኣብቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኣብዝን ኣብትን ጸፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፡ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኩም፡ ኣበሳኺ ተኣመኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14-15 ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16 በቲ ዘመን እቲ ምስ በዛሕኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋሬኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይኪዛረቡን፡ ኣይኪሐስብዋን ኣይኪዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይኪገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
17 ሽዑ የሩሳሌም ዝፋን እግዚኣብሄር ክትበሀል እያ፡ ኲላቶም ኣህዛብ ከኣ ብስም እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ኪእከቡ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይኪመላለሱን እዮም።
18 በተን ወርሓት እቲኤን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ኪኸዱ፡ ሐቢሮም ድማ ካብ ሃገር ሰሜን ናብታ ነቦታትኩም ኪርስተይዋ ዝሀብክዎም ምድሪ ኺመጹ እዮም።
19 ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ ኻብ ኲሉ ዚበልጽ ጥዑም ምድሪ፡ ርስቲ ኣህዛብ ክህበኪ እየ፡ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ፡ ኣቦየ፡ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ፡ ካባይ ድማ ኣይክትርሕቅን ኢኺ፡ ኢለውን ነበርኩ።
20 ግናኸ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
21 መገዶም ስለ ዘበላሸውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፡ ድምጺ ኣብ ኲርባታት ተሰምዔ፡ ንሱውን ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል እዩ።
22 ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ። – ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ ኣሎና።
23 ብሓቂ ኻብ ኲርባታት ረዲኤት ምጽባይና ኸንቱ እዩ፡ ኣኽራንሲ ጥቕሚ ዜብሉ ደሃይ ደኣ ሀቡና። ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዚርከብ።
24 ሓፍረት ጣኦታት ግና ንፍረ ጻዕሪ ኣቦታትና፡ ነባጊዖምን ንኣሓኦምን ነወዳቶምን ነዋልዶምን፡ ካብ ንእስነትና ጀሚሩ በልዖ።
25 እምበኣርሲ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምስማዕ ስለ ዝኣቤና፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፡ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንበል፡ ነውርና ኸኣ የጐልብበና።

 

1 ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመለስካስ፡ ናባይ ደኣ ተመለስ። ነቲ ጽያፍካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ቀባሕባሕ ኣይክትብልን ኢኻ፡
2 ሽዑ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብጽድቅን ክትምሕል ኢኻ፡ ኣህዛብ ከኣ ብእኡ ኺባረኹን ኪሕበኑሉን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
3 እግዚኣብሄር ንሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዱኹም ጽግኡ እሞ ኣብ እሾዂ ኣይትዝርኡ።
4 ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኰይኑ ሃልሃል ከይብልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ተገዘሩ፡ ልብኹም ግዘሩ።
5 ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣውጁ እሞ፡ ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ፡ በሉ። ዓው ኢልኩም ከኣ፡ ተኣከቡ እሞ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኢልኩም ጨድሩ።
6 ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምጽእ እየ እሞ፡ ናብ ጽዮን ኣቢሉ ዜመልክት ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ መጸግዒ ድለዩ፡ ጠጠው ኣይትበሉ።
7 ኣንበሳ ኻብቲ ጭምጭም ዱር በለኽ ይብል፡ ምድርኺ ኼባድም፡ ከተማታትኪ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዚነብረለን ክሳዕ ዚሰኣን፡ ኬፍርስ፡ መጥፍእ ህዝብታት ነቒሉ ኻብ ስፍራኡ ይወጽእ።
8 እምበኣርሲ እቲ ነዳዲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካባና ኣየግለሰን እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኑ፡ ኣልቅሱ ዋይዋይ ድማ በሉ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ንጉስ ልቢ መሳፍንትን ከም ዚዝሕትል፡ ካህናት ከም ዚፈዙ፡ ነብያትውን ከም ዚግረሙ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
10 ኣነ ግና፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በጺሑ ኸሎስ፡ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብርግጽ ጠቢርካዮም፡ በልኩ።
11 በቲ ዘመን እቲ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኺበሀል እዩ፡ ሃሩር ዘለዎ ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብታ ጓል ህዝበይ ኪመጽእ እዩ፡ ንምምስኣይን ንምዝራውን ዚኸውን ኣይኰነን፡
12 ካብኡ ኣዝዩ ዚብርትዕ ንፋስ ካባይ ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ሕጂ ብፍርዲ ኽዛረቦም እየ።
13 እንሆ፡ ከም ደበና ዀይኑ ይወጽእ፡ ሰረገላታቱ ኸም ህቦብላ እዮም። ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና።
14 ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕጸቢ። ክሳዕ መኣዝ ክፋእ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኺነብር እዩ?
15 ካብ ዳን ድምጺ ይስማዕ፡ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ ሕሰም ይውረ ኣሎ እሞ፡
16 እንሆ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚኸብብ ጭፍራ ይመጽእ፡ ንኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ይፍክሩለን አለው፡ ኢልኩም ነህዛብ ንገርዎም፡ ንየሩሳሌም ኣፍልጥዋ።
17 ንኣይ ስለ እተጻረረት፡ ከም ሓለውቲ ግራት ኰይኖም ብዂሉ ወገና ይኸብዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ኣኻይዳኽን ግብርኽን እዩ እዚ ዘውረደልኪ፡ እዚ ኽፍኣትኪ እዩ፡ መሪር እዩ እሞ፡ ክሳዕ ልብኺ ይበጽሕ።
19 ኣምዑተይ፡ ኣምዑተይ ተበጠሰ፡ ኣየ ኣፍ ልበይ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትርግርግ ይብል ኣሎ። ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ህማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፡ ትም ኣይብልን።
20 ኲላ እታ ሃገር ዐኒዋ እያ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይውረ ኣሎ፡ ጐጆታተይ ብድንገት፡ ድንኳናተይ ድማ ብቕጽበት ዓይኒ ዐነዋ።
21 ክሳዕ መኣዝ ሰንደቕ ዓላማ ኽርኢ፡ ደሃይ መለኸትስ ክሰምዕ እየ?
22 ህዝበይ ዓሻ እዩ እሞ፡ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂ እዮም እሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።
23 ንምድሪ ጠመትክዋ፡ እንሆ፡ ጽምዋን ባዶን ነበረት፡ ንሰማያትውን ጠመትኩ እሞ ብርሃን ኣይነበሮን።
24 ነኽራን ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ራዕራዕ ይብሉ፡ ኲላቶም ኰረቢትውን የንፈጥፍጡ ኣለው።
25 ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰብ ኣይነበረን፡ ኲለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ በረራ።
26 ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ነድሪ ቚጥዓኡን እታ ፈራይት ምድርስ ምድረ በዳ ዀነት፡ ከተማታታ ድማ ፈረሳ።
27 እግዚኣብሄር ኸምዚ ይብል፡ ኲላ እታ ሃገር ክትባድም እያ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ።
28 ኣነ ኢለ ኢሎኹ ወዲኤዮ ኸኣ እየ፡ ኣይክጠዐሰሉን ኣይክምልሶን ድማ እየ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ምድሪ ኽትሐዝን፡ ሰማያትውን ኣብ ላዕሊ ኺጽልምት እዩ፡ ይብል ኣሎ።
29 ካብቲ ድዋዕዋዕ ምባል ፈረሰኛታትን ወርወርቲ ፍላጻን እተላዕለ፡ ኲሉ እቲ ኸተማታት ይሀድም። ኣብ ዕሙር ዱር ይሰዃዅዑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ይሐዂሩ፡ ኲሉ ኸተማታት ተሐደጉ፡ ዚነብሮ ሰብ ከኣ የልቦን።
30 ኣቲ ዝዐኖኺኸ፡ እንታይ ኽትገብሪ ኢኺ? ጁዂ እንተ ተኸደንኪ፡ ስልማት ወርቂ እንተ ተሰለምኪ፡ ኲሕሊ እንተ ተዀሐልኪ፡ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይጺ ዘሎኺ። ፈተውትኺ ንዒቖምኺ ነፍስኺ ይደልዩ ኣለው።
31 ነቲ ቕልውላው ዝሐዛ፡ ነቲ ምዕሉባጥ ፈለማያ እትወልድ ሰበይቲ ዚመስል ኣደድ ምባል እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ደሃይ እታ ዓቕሊ ኣጽቢባ፡ ኢዳ ዘርጋሕጋሕ እተብል፡ ዋይ ደኣ ነፍሰይ ብሰሪ እዞም ቀተልቲ ሰልከየት፡ ኢላ እተድሂ ዘላ ጓል ጽዮን እዩ።

 

1 ኣብ ኣደባባይ የሩሳሌም ዙሩ እሞ ርኣዩን ተመልከቱን፡ ኣብ ዕዳጋታታ ኸኣ ድለዩ፡ ሓደ እኳ፡ ሓደ በይኑ ፍትሒ ዚገብር ሓቂ ኸኣ ዚደሊ እንተ ረኸብኩም፡ ኣነውን ይቕረ ኽብለላ እየ።
2 ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እኳ እንተ በሉ፡ብሓሶት እዮም ዚምሕሉ ዘለው።
3 ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻዶ ሓቂ ኣይኰናን ዚደልያ፡ ወቓዕካዮም፡ ግናኸ ኣየሕመሞምን። ኣኰትካዮም፡ ግናኸ ኣይተቐጽዑን። ገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገበሩ እሞ ምምላስ ኣበዩ።
4 ኣነ ኸኣ፡ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ድኻታትን ዓያሱን እዮም፡
5 እምበኣርሲ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፡ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዚፈልጡ እዮም እሞ፡ ክነግሮም፡ በልኩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ሐቢሮም ኣርዑት ሰበሩ መእሰሪታትውን በጠሱ።
6 ኣበሳኦም ታእላው የብሉን፡ ጥልመቶም ከኣ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ እሞ፡ ስለዚ ኣንበሳ ኻብ ዱር ወጺኡ ይሰብሮም፡ ተዂላ መሮር ድማ የጥፍኦም፡ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም ይቃጾ፡ ውጽእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።
7 ከመይ ኢለ ይቅረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፡ ኣማልኽቲ ብዘይ ኰኑ ኸኣ ይምሕሉ ኣለው። ኣጽገብክዎም፡ ንሳቶም ድማ ዘመው፡ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።
8 ከምቶም ጽቡቕ እተመጨኑ ውዑያት ኣፍራስ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብጻዩ ይሕምሕም።
9 በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጸዖምን እየ? ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ? ይብል እግዚኣብሄር።
10-11 ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋ። ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12-13 እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይኪወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ኪዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዚዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሐዱ።
14 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ቓል እዚ ስለ እተዛረብኩም፡ እንሆ፡ ነቲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ፡ ነዚ ህዝቢ ድማ ከም ዕጨይቲ ኽገብሮ እየ እሞ ኪልቚምጾም እዩ።
15 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከም ጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓያል ህዝቢ፡ ጥንታዊ ህዝቢ፡ ቋንቋኦም ዘይትፈልጦ፡ ዘረባኦም ድማ ዘይተስተውዕሎ ህዝቢ እዮም።
16 ጒልድባኦም ክፋት መቓብር እዩ፡ ኲላቶም ከኣ ጀጋኑ እዮም።
17 ንሳቶም ነቲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኪበልዕዎ ዚግባእ ቀውዕኻን እንጌራኻን ኪበልዑ፡ ወይንኻን በለስካን ኪበልዑ እዮም። ነተን እትእመነን ጽኑዓት ከተማታትካ ብሰይፊ ኼፍርስወን እዮም።
18 ግናኸ በተን መዓልትታት እቲኣተን ከኣ ብጥራስ ኣይከጥፍኣኩምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
19 ንስኻትኩም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ እዚ ዂሉ ዝገበረና? እንተ በልኩም፡ ሽዑ ንስኻ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ዝሐደግኩምኒ፡ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እተገዛእኩም፡ ከምኡውን ኣብ ዘይሃገርኩም ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም፡ ኢልካ ምለሰሎም።
20 እዚ ኣብ ቤት ይእቆብ ኣውርዩ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ንገሩ እሞ በሉ፡
21 ኣታ ልቢ ዜብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርኢ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፡
22 ንኣይሲ ኣይምፈራህኩምንንዶ? ብዘለኣለማዊ ትእዛዝ ገይረ ኸይሐልፎ ድበት ንደረት ባሕሪ ዝገበርኩኸ፡ ኣብ ቅድመይዶ ራዕራዕ ኣይምበልኩምን? ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዔ፡ ኣይኽእሎን፡ ይሃጽፍ፡ ግናኸ ከቶ ኣይሳገሮን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
23 እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ።
24 ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበና፡ ምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ኣይበሉን።
25 ኣበሳኹም ነዚ ኸልከለ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቕ ኣኽልኣኩም።
26 ኣብቶም ህዝበይሲ ረሲኣን ሰባት ይርከቡ፡ ከምቶም ኣዕዋፍ ዜፈንጥሩ ይቃጸው፡ መፈንጠራ ዘርጊሖም ከኣ ሰብ የፈንጥሩ ኣለው።
27 ከምታ በዕዋፍ ዝመልኤ እንዳ ዑፍ፡ ከምኡ ድማ ቤቶም ብምጥባር ምሉእ እዩ። ዝለዚ ዓበይትን ሃብታማትን ኰኑ።
28 ስቡሓትን ዜባርቑን ኰኑ፡ ንእከዮም ወሰን የብሉን። ፍትሒ ንዘኽታም፡ ነገሩ ዜቕንዓሉ ፍትሒ፡ ኣየውጽኣሉን፡ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን።
29 በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ? ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ? ይብል እግዚኣብሄር።
30 ኣብታ ሃገር እቲኣ ጒድን ዜሰክሕን እዩ ዚግበር ዘሎ፡
31 ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፡ ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ ኣለው፡ ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?

1 ኣቱም ደቂ ብንያም፡ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይቐርብ ኣሎ እሞ፡ ካብ ማእከል የሩሳሌም ህደሙ፡ ኣብ ትቆኣ መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ርእሲ ቤት – ሃኬሬም ምልክት ትኸሉ።
2 ነዛ ስብቅልን ሕንቅቕትን ጓል ጽዮን ከጥፍኣ እየ።
3 ጓሶት ምስ መጓሴታቶም ኣብኣ ይወፍሩ፡ ድንኳናቶም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፡ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ይጓስዩ ኣለው።
4 ክትዋግእዋ ተዐጠቑ፡ ተንስኡ፡ ቀትሪ ኸሎ ንውጻእ። ምድሪ መስዩ፡ ጽላሎት ምሸት ከኣ ነዊሑ እዩ እሞ፡ ወይለና።
5 እምበኣርሲ ተንስኡ፡ ብለይቲ ንገስግስ እሞ ነዳራሻታ ነፍርሶ።
6 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣእዋም ቊረጹ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብቐጽሪ ኽበብዋ። ብዂሉ ወገና ዓመጽን ጐመጽን ኣለዋ እሞ፡ እትቕጻዕ ከተማ እያ።
7 ዔላ ማዩ ኸም ዜፈልፍል፡ ከምኡ ኸኣ ክፍኣታ ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመጽን ምብራስን ይስማዕ ኣሎ፡ ስቓይን ቊስልን ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ እዩ።
8 ኣቲ የሩሳሌም፡ ነፍሰይ ካባኺ ኸይትፍለ እሞ ሰብ ዘይነብረላ ምድረ በዳ ኸይገብረክስ፡ ተቐጽዒ።
9 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ንተኽሊ ወይኒ ዚቕርምዎ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል ኪቕርምዎ እዮም። ከምቲ ኣራይ ዘቢብ ኣብ ሓረግ ዚገብሮ፡ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።
10 እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረ እዩ፡ ኪሰምዑ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሄር ነውሪ ዀይንዎም እዩ እሞ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኺሰምዑስ፡ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክር እየ?
11 ስለዚ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር መሊኤ ኣሎኹ፡ ትም ክብል ድማ ኣይከኣለንን። ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣረጊትን ዕድሚኡ ዘእከለን ኪተሐዙስ፡ ኣብቶም ቈልዑ ኣብ መገድን ኣብቶም መንእሰይ ኣብ ባይቶን ኣሕቢርካ ኽዐወሎም።
12 ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡ ኣባይቶምን ግራህኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ኣብ ካልኦት ኪሐልፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13 ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ስለ ዘለው እዩ።
14 ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።
15 ጽያፍ ስለ ዝገበሩስ ኪሐፍሩዶ እዮም? ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ምስ ኣራኻኸብኩሎም ከኣ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ ኣይንመላለሰሉን ኢና፡ ኢሎም መለሱ።
17 ኣብ ደሃይ መለኸት ኣድህቡ፡ ዚብሉኹም ሐለውቲ ሸይመልኩም ነይረ። ንሳቶም ግና፡ ኣይነድህብን ኢና፡ በሉ።
18 ስለዚ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ፡ ኣቱም ማሕበር፡ እቲ ዚመጾም ዘሎ ፍለጡ።
19 ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ፡ ኣብ ቃላተይ ኣየድሀቡን፡ ንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎ እዮም እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት ከምጽእ እየ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ሓሳቦም እዩ።
20 እቲ ዕጣን፡ ካብ ሳባ፡ ምኡዝ ቃንጫ ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚመጽእ እንታይ ግዱ ኣሎኒ? እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ባህ ኣየብለንን፡ መስዋእቲ ሕሩድኩምውን ኣየብህገንን እዩ።
21 ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ እምኒ መዓንቀፊ ኤንብር ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣቦታትን ውሉድን ኪዕንቀፉ፡ ጐረቤትን ዓርኩን ሐቢሮም ኪጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
22 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይነቅል ኣሎ።
23 ቀስትን ኲናትን ይሕዙ፡ ጨካናት፡ ምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ። ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣፍርስ ሰሪሮም ይስለፉ፡ ከም ጅግና ኸኣ ኪዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለው።
24 ወሪኦም ሰማዕና፡ ኣእዳውና ድማ ዘርጋሕጋሕጋሕ በለ። ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ሐዘና።
25 ሰይፊ ጸላኢ ኣብኡ፡ ፍርሃት ከኣ ኣብ ኲሉ ወገን ኣሎ እሞ፡ ኣብ ግዳም ኣይትውጽኡ፡ ኣብ መገድታት ኣይትኺዱ።
26 ኣቲ ጓል ህዝበይ፡ መጥፍኢ ብድንገት ኪመጸና እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኒ፡ ኣብ ሓመዂስቲ ኣንፈፍዊ፡ ከም ንሓደ ዝወዳ ጌርኪ ሕዘኒ፡ መሪር ብኽያት ብኸዪ።
27 መገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምርን፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ግምብን እምባን ገይረ ኣቘምኩኻ።
28 ኲላቶም ዕለውትን ከድዓትን እዮም፡ ሕሜት እናዘርኡ ይኸዱ። ነሃስን ሓጺንን እዮም፡ ኲላቶም ብልሽዋት እዮም።
29 መናፍሕ ፉፍ ይብል፡ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ። እቲ ኽፋእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፡ ድሌት እቲ ምዂላዕ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ።
30 እግዚኣብሄር ወጊድዎም እዩ እሞ፡ ውጉድ ብሩር ይበሀሉ።

 

1 እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፡
2 ኣብ ደገ ቤት ደው በል እሞ ኣብኡ ዄንካ እዚ ቓል እዚ ስበኽ በልውን፡ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው ሰብ ይሁዳ ዂላትኩም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
3 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸንብረኩም እየ።
4 መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ኢልኩም ኣብ ቃላት ሓሶት ኣይትወከሉ።
5 መገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፡
6 ንጓናን ዘኽታምን መበለትን እንተ ዘየጨነቕኩም፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሰስኩም፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ንጒድኣትኩም እንተ ዘይሰዐብኩምሲ፡
7 ሽዑ ኣነ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለም ኣለም ዝሀብክዋ ምድሪ፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።
8 እንሆ፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘይጠቅም ቃላት ሓሶት ትውከሉ ኣሎኹም።
9 ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁ፡ ትቐትሉ፡ ትዝምው፡ ብሓሶት ትምሕሉ፡ ንበዓል ትዐጥኑ፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ፡
10 ናብዚ መጺእኩም ከኣ፡ ኣብዛ ብስመይ እተሰምየት ቤት ኣብ ቅድመይ ቌምኩም፡ ኲሉ እዚ ፍንፋን ግብሪ እዚ ምእንቲ ኽትገብሩ፡ ድሑናት ኢና፡ ትብሉ ኣሎኹም።
11 እዛ ብስመይ እተሰምየት ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰነት? እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 እምበኣርሲ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፡ ናብ ሲሎ፡ ኪዱ እሞ ብሰሪ እከይ ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ።
13 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሕጂ ኸኣ እዚ ዂሉ ግብርታት እዚ ጌርኩምስ፡ ኣንጊሄ ተንሲኡ ነጊርኩም፡ ተዛሪብኩም ኣይሰማዕኩምን፡ እናጸዋዕኩኹም ድማ ኣይመለስኩምን ኢኹም እሞ፡
14 ስለዚ ኸኣ ነዛ ብስመይ እተሰምየት፡ ንስኻትኩምውን እትውከልዋ ዘሎኹም ቤት፡ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ስፍራ፡ ከምቲ ኣብ ሲሎ ዝገበርክዎ ኽገብራ እየ፡
15 ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዂሎም ዘርኢ ኤፍሬም፡ ዝደርቤኽዎም፡ ካብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16 እምበኣርሲ ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ኣይትማህለል፡ ኣይትጸሊ፡ ላሕውን ኣይተብለኒ።
17 ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዚገብርዎ ዘለውዶ ኣይትርእን ኢኻ?
18 ንኣይ ምእንቲ ኼጒህዩስ፡ ደቂ ኣዕጫው ይእክቡ፡ ኣቦታት ሓዊ ይኣጒዱ፡ ኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዚኸውን ቅጫ ኺስንክታ ብሑቚ የቘምጥዓ፡ መስዋእቲ መስተውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ።
19 ንኣይዶ እዮም ዜጒህዩ ዘለው? ንውርደት ርእሶምዶ ግዳ ኣይኰኑን ዚብድሉ ዘለው? ይብል እግዚኣብሄር።
20 ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ቊጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኣብ ሰብን እንስሳን ኣብ ኣእዋም መሮርን ኣብ ፍረ ምድርን ክዂዑ እየ፡ ኪነድድ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ኣብቲ መስዋእቲ ሕሩድኩም ወስኹ እሞ እቲ ስጋ ብልዑ።
22 በታ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ብናይ ዚሐርር መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምን ድማ።
23 ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ።
24 ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን።
25 ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዂላቶም ግዙኣተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም።
26 ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገበሩ።
27 እዚ ዂሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፡ እንተ ጸዋዕካዮምውን ፡ ኣይኪመልሱልካን እዮም፡
28 እምበኣርስኸ፡ እቲ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዘይሰምዕ፡ ተግሳጽ ከኣ ዘይቕበል ህዝቢ እዚ እዩ። ሓቂ ጠፍኤ፡ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸ፡ ክትብሎም ኢኻ።
29 እግዚኣብሄር ነቲ ዘቘጥዖ ወለዶ ደርብይዎን ወጊድውን እዩ እሞ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ቘሪጽኪ ደርብዪ፡ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪ ድማ ዋይዋይ በሊ።
30 ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፡ ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክስዋ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣቐመጡ፡
31 ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
32 ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌት ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየላን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ሽዑ ኻልእ ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።
33 ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ እያዕ ዚብሎም ድማ የልቦን።
34 እታ ሃገር እቲኣ ክትባድም እያ እሞ፡ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ከጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 በቲ ዘመን እቲ ዓጻጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ዓጻጽምቲ መሳፍንቱን ዓጻጽምቲ ኻህናትን ዓጻጽምቲ ነብያትን ዓጻጽምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ካብ መቓብሮም ኬውጽእዎ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
2 ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዐብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኲሎም ሰራዊት ሰማይን ኪሰጥሕዎ እዮም። ኣብ ርእሲ ምድሪ ድዂዒ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ዚእክቦ ወይስ ዚቐብሮ የልቦን።
3 ኲሎም እቶም ተረፍ ናይ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ዝተረፈ፡ ካብ ህይወት ሞት ኪሐርዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
4 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ድማ ንገሮም፡ ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ እዩ? መገዲ እተጋገየኸ ኣይምለስንዶ እዩ?
5 ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም? ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስውን ይኣብዩ።
6 ጽን ኢለ ሰማዕኩ፡ ቅንዕና ኣይዛረቡን፡ ካብ ክፍኣቱ ዚጠዐስ፡ እንታይ እየ ዝገበርክዎ ኸኣ ዚብል የልቦን፡ ከምቲ ናብ ኲናት ዚፋንን ፈረስ ነፍሲ ወከፍ ይጐዪ ኣሎ።
7 ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፡ ኳትራን ለዃዂቶን ዓያን ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላ እየን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን እዩ።
8 ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም? ግናኸ እንሆ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ ሓሶትሲ ናብ ሓሶት ገልቢጥዋ እዩ።
9 እቶም ጥበበኛታት እዚኣቶም ኪሐፍሩን ኪስምብዱን ኪተሐዙን እዮም። እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎም እዩ?
10 ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ እዮም፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ኣለው እሞ፡ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፡ ግራሁኦም ድማ ንዜጥርይዎ ኽህቦ እየ።
11 ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም፡ ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።
12 ጽያፍ ስለ ዝገበሩ ኺሐፍሩዶ እዮም? ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምኳኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ድማ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13 ኣነ ርግጽ ከጽንቶም እየ፡ ኣብ ሓረግ ወይኒ ዘቢብ ኣይርከብን፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ የልቦን፡ እቲ ቘጽሊ እኳ ይሐርር፡ ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14 ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣጥፊኡና፡ ማይ ስሚ ድማ ኣስትዩና እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ስቕ ኢልና ንቕመጥ? ተኣከቡ፡ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኣብኤን ከኣ ንጥፋእ።
15 ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ጽቡቕ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ።
16 ናይ ኣፍራሱ ዂርፍ ምባል ካብ ዳን ይስማዕ፡ ብደሃይ ምሕምሓም ጅንጒላታቱ ድማ ኲላ እታ ሃገር ትርዕድ። መጹ፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዚነብሩን ከኣ በልዕዎም።
17 እንሆ፡ ዓዛሚ ኺዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገባብልን ክሰደልኩም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪነኽሱኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ኣብ ሐዘነይሲ ምጽንናዕ ኣበይ ክረክብ እየ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሰለውለው ይብለኒ ኣሎ።
19 እንሆ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ጽዮን የሎን? ንጉሳዶ ኣብኣ የሎን እዩ? ዚብል ኣውያት ጓል ህዝበይ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። ስለምንታይ ደኣ ብቕሩጽ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣኦታቶምን ዜቘጥዑኒ?
20 ቀውዒ ሐለፈ፡ ሓጋይ ተወድኤ፡ ንሕና ኸኣ ኣይደሐንናን።
21 ጓል ህዝበይ ስለ እተሰብረት፡ ተሰበርኩ፡ ጸለምኩ ሰካሕኩውን።
22 ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን? ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ? ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፊፉ ዘይሐዊ?

 

1 ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስ፡ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሀበኒ።
2 ወዮ፡ ኲላቶም ዘመውትን ኣኼባ ጥልመትን ኰይኖም እዮም እሞ፡ ኣብ በረኻ ማሕደር መንገደኛታት እንተ ትህልውንስ፡ ህዝበይ ምሐደግኩ፡ ካብኦምውን ምረሐቕኩ ነይረ።
3 ካብ እከይ ናብ እከይ ይሐልፉ፡ ንኣይ ከኣ ኣይፈልጡንን እዮም እሞ፡ ንልሳኖም ከም ቀስቶም ገይሮም ሓሶት ይግትሩ ኣለው፡ ንሓቂ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣብታ ሃገርሲ ሓያላት እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4 ነፍሲ ወከፍ ሓው ይጥብር፡ ነፍሲ ወከፍ ብጻይ ድማ እናሐመየ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ብጻዩ ይጠንቀቕ፡ ኣብ ሓዉውን ኣይተኣመን።
5 እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፡ ሓቂ ኸኣ ኣይዛረቡን፡ ልሳውንቶም ሓሶት ንምዝራብ የልምዱ፡ እከይ ንምግባርውን ይደኽሙ።
6 እትነብረሉ ዘሎኻ ማእከል ጥበራ እዩ፡ ብሰሪ ምጥባር ድማ ምፍላጠይ ኣበዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ስለዚ፡ እንሆ፡ ክዂልዖምን ክምርምሮምን እየ፡ ብናይ ጓል ህዝበይሲ እንታይ ካልእ ደኣ ኽገብር እየ? ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
8 ልሳኖም ዚቐትል ፍላጻ እዩ፡ ጥበራ ይዛረቡ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፡ ብልቡ ግና ይቃጸዎ።
9 በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ፡ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ? ይብል እግዚኣብሄር።
10 ንኣኽራን እበኽየሉን እድጒዓሉን፡ ነቲ መውፈር በረኻውን፡ ብሓዊ ነዲዱ ዚሐልፈሉ የልቦን እሞ፡ እቚዝመሉ ኣሎኹ። ኣብኡ ንቅዋ ኸብቲ ኣይስማዕን፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኰነ ኻልኦት እንስሳውን ሀዲሞም ተጸርገፉ።
11 ንየሩሳሌም መዀመር እምንን ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፡ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ዑናታት ክገብረን እየ።
12 እቲ ነዚ ዜስተውዕሎ ጥበበኛ መን እዩ? ነዚ ኺገልጾኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረቦ? እታ ሃገር፡ ሓደ እኳ ዚሐልፋ ዜብላ ዀይና፡ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍኤትሲ ስለምንታይ እዩ?
13 እግዚኣብሄር ከኣ ይብል፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘንበርክዎ ሕገይ ሐደጉ፡ ድምጸይ ከኣ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን፡
14 ግናኸ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዘስተምሀርዎም ደድሕሪ በዓል ሰዐቡ እሞ፡
15 ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ከብልዖ፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮ እየ፡
16 ኣብ ማእከል እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ።
17 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣስተብሂልኩም በኸይቲ ኣንስቲ ኺመጻ ጸውዑ፡ እተን ለባማት ኪመጻ ድማ ልኣኹለን።
18-19 ሃገር ስለ ዝሐደግና፡ ኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎ፡ ሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዚብል ድምጺ ቚዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ኪቐዝር፡ ኰበሮ ዓይንናውን ማይ ኬውሕዝ፡ ቀልጢፈን ይቘዝማልና።
20-21 ንቘልዑ ኻብ ቅርዓት፡ ነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኼብርስ፡ ሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራሻትና ኣትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዓ፡ ኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበል። ነዋልድክን ቊዝማ ኣልምዳ፡ ንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሀራ።
22 እግዚኣብሄርሲ፡ ሬሳታት እቶም ሰብ፡ ከምቲ ደድሕሪ ዓጻዲ ዚእክቦ ዜብሉ እንዳእቲ፡ ከም ድዂዒ ኣብ ግራት ኪወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም።
23 ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሐበን፡ ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሐበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
24 ዚሕበንሲ – እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ፡ – ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
25-26 ኲላቶም ኣህዛብ ኣይተገዝሩን፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራት፡ ንግብጽን ንይሁዳን ንኤዶምን ንደቂ ዓሞንን ንሞኣብን ነቶም ጽጒሮም ወሰነወሰን ዚላጸዩ ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ዂላቶምን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

1 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ።
2 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ።
3 ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ።
4 ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ።
5 ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።
6 ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ።
7 ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ?
8 ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ።
9 ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም።
10 ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን።
11 እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ ኻብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ኪጠፍኡ እዮም፡ ክትብልዎም ኢኹም።
12 ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ።
13 ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ ማያት ኣብ ሰማይ ይሕንዝዝ፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ መባርቕ ከኣ ንዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ።
14 ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ።
15 ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም።
16 ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝደኰነ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።
17-18 እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ዘለው በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዚፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ።
19 ተወቒዔ እየ እሞ ወይለይ፡ ቊስለይ የቐንዝወኒ ኣሎ። ኣነ ግና፡ እዝስ ስቓየይ እዩ እሞ እጽመሞ እየ፡ በልኩ።
20 ድንኳነይ ተበላሸወ፡ ኲሉ መገታተሪየይ ተበታተኸ። ደቀይ ካባይ ወጹ፡ የለውን ከኣ። ሓደ እኳ ድንኳነይ ዚተክል፡ መጋረጃይ ከኣ ዚሰቅል የልቦን።
21 ጓሶት ተዐንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ።
22 እንሆ፡ ንኸተማታት ይሁዳስ ዑናን መሳፍሮ ወኻሩን ምእንቲ ኺገብረን ኢሉ ድምጽን ብርቱዕ ህማምን ካብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ ኣሎ።
23 ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
24 ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቚጥዓኻ ኣይኰነን።
25 ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ወሒጦምዎ፡ ወዲኦምዎ፡ ማሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን ናብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌትን ደኣ ኽዐዎ።

1 ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
2 ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ፡ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ድማ ተዛረቡ።
3-5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይ፡ ኢለ መለስኩ።
6 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነዚ ዂሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባይት የሩሳሌምን ከምዚ ኢልካ ኣውጆ፡ በለኒ፡ ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዕዎ ግበርዎ ድማ።
7 ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ነቦታትኩም ኣሰማዕኩሎም፡ ንድምጸይ ስምዑ፡ ኢለ ኣንጊሄ ኣስማዕኩሎም።
8 ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ብትሪ እኩይ ልቦም ተመላለሱ እምበር፡ ኣይሰምዑን፡ እዝኖም ኣይጸለውን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶምውን ዘይገበርዎ ኹሉ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ።
9 እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ሰብ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ተማሓሒሎም ኣለው።
10 ንሳቶም ናብቲ ኣበሳ ናይቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝአበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመልሱ። ምእንቲ ኼገልግልዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዐቡ። ቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍረሱ።
11 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ናባይ ኪጠርዑ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክሰምዖምን እየ።
12-13 ኣታ ይሁዳ፡ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻ። ክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካ፡ ንበዓል እትዐጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ናብቶም ዕጣን ዚዐጥኑሎም ኣማልኽቲ ኺጠርዑ ኢሎም ኪኸዱ እዮም፡ ግናከ ብጊዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይኬድሕንዎምን እዮም።
14 ብሰሪ ጸበባኦም ናባይ እንተ ተማህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ እሞ፡ ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።
15 ፈታውየይ ግብሪ እከይ እናገበረስ ኣብ ቤተይ እንታይ ኣለዎ? መብጽዓን እተቐደሰ ስጋንዶ እከይካ የርሕቐልካ እዩ? ብምንታይ ደኣ ትሕጐስ ኣሎኻ?
16-17 እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዐጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ኪወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ጨናፍራውን ሞዂ በለ።
18 እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ እሞ፡ ፈለጥኩ፡ ሽዑ ተግባሮም ኣርኤኻኒ።
19 ኣነ ግና ከም ናብ ማሕረዲ ዚወስድዎ ሓላል ገንሸል ነበርኩ። ንሳቶም፡ ስማ ኸይዝከር ነታ ኦም ምስ ፍሬኣ ነጥፍኣያ፡ ካብ ሃገር ህያዋን ድማ ንመንቊሳ፡ ኢሎም ውዲት ከም ዝደበቑለይ ኣይፈለጥኩን።
20 ግናኸ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ቅኑዕ እትፈርድ፡ ልብን ኰላሊትን ከኣ እትምርምር፡ ነገረይ ኣባኻ ኤማሕጽን ኣሎኹ እሞ፡ ምፍዳይ ሕኔኻ ኣባታቶም ኣርእየኒ።
21 ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም፡ ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበ፡ ኢሎም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለው ሰብ ኣናቶት ይዛረብ ኣሎ።
22 ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ክቐስፎም እየ፡ ኣባጽሖም ብሰይፊ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም።
23 በታ ንኣታቶም ዝቐጽዓላ ዓመት ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት ከውርድ እየ እሞ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።

 

1 ዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ ኣሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ? ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም?
2 ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዐበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ።
3 ንስኻ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ትፈልጠኒ፡ ትርእየኒ፡ ልበይ ከኣ ንኣኻ ኸመይ ምዃኑ ትምርምር ኢኻ። ከም ኣባጊዕ ንማሕረዲ ጓትቶም፡ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፍለዮም።
4 እታ ሃገር ክሳዕ መኣዝ ክትሐዝን? ክሳዕ መኣዝከ ሳዕሪ ዂሉ መሮር ኪነቅጽ እዮ? ንሳቶም፡ መወዳእታና ኣይኪርእን እዩ፡ ስለ ዝበሉ፡ ብሰሪ እከይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩስ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለው።
5 ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዜድክሙኻ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ? ኣብ ሃገር ሰላም እንተ ተኣመንካ፡ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ?
6 እንሆ፡ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ ጠሊሞሙኻ እዮም። ኣፎም መሊኦም ድማ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለው። ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን፡ ኣይትእመኖም።
7 ቤተይ ሐደግኩ፡ ርስተይ ለቐቕኩ፡ ነቲ ነፍሰይ እትብህጎስ ኣብ ኢድ ጸላእታ ወፌኹ።
8 ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀነኒ፡ ጓዚሙለይ እዩ እሞ፡ ጸላእክዎ።
9 ርስተይዶ ዓንጥዓንጦራይ ሽላ ምዀነኒ? ጋባት ኣብ ኲሉ ወገን ዙርያኡ ኣለዉ። ኪዱ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ኪበልዑ ኣኪብኩም ኣምጽእዎም።
10 ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣባላሸውዋ፡ ንግደይ ረገጽዋ፡ ነታ ጽብቕቲ ግደይውን ዝጸመወ ምድረ በዳ ገበርዋ፡
11 ኣባደምዋ፡ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሐዝን ኣላ። ሓደ እኳ ኣብ ልቡ ዜስተዋድዮ ስለ እተሳእነ፡ እታ ሃገር ብዘላ ባደመት።
12 ኣብ ኲሉ ዂርባታት ምድረ በዳ ወረርቲ ተፈነዉ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብቲ ሓደ ወሰን እታ ሃገር ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰና ይጐምድ ኣሎ እሞ፡ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ሰላም የልቦን።
13 ስርናይ ዘርኡ፡ እሾዂ ከኣ ዐጸዱ፡ ጸዐሩ ጥቕሚውን ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብእትዋት ቀውዕኹም ክትሐንኩ ኢኹም።
14 እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ነቲ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስቴኽዎ ርስቲ ዚነኽኡ ዂሎም ክፉኣት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ካብ ሃገሮም ክምንቊሶም፡ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ ማእከሎም ክምንቊሳ እየ።
15 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ መንቈስክዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክድንግጸሎም እየ እሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ረርስቱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሀሃገሩ ኽመልሶ እየ።
16 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሀርዎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ኪምሕሉስ መገድታት ህዝበይ እንተ ተማህሩ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኪሀንጹ እዮም።
17 ግናኸ እንተ ዘይሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምንቊሶ፡ ኣነ ኽምንቊሶን ከጽንቶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

1 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ እሞ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ገዚእካ፡ ኣብ ሕቜኻ ተዐጠቃ፡ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ፡ በለኒ።
2 ኣነ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ቅናት ተሻይጠ ሕቘይ ተዐጠቕኩላ።
3-4 ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዐደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ።
5 ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ኤፍራጥስ ሐባእክዋ።
6 ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ እሞ ኣብ ኤፍራጥስ ኬድካ ነታ ኣብኡ ኽትሐብኣ ዝኣዘዝኩኻ ቕናት ካብኡ ኣምጽኣያ፡ በለኒ።
7 ኣነውን ናብ ኤፍራጥስ ከይደ ኻብታ መሕቢኢኣ ዂዒተ ነታ ቕናት ኣምጻእክዋ። እንሆውን፡ እታ ቕናት ተበላሽያ። ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ኰይና ጸንሔት።
8 ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
9 ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ከምኡ ገይረ ኸኣ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት የሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ፡
10 እዚ ብትሪ ልቡ ዚመላለስ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼገልግሎምን ኪሰግደሎምን ዚስዕቦም፡ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ ኸምዛ ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ቅናት ዝዀነት ኪኸውን እዩ።
11 ኣነስ ንዂሎም ቤት እስራኤልን ንዂሎም ቤት ይሁዳንሲ ህዝብን ስምን ሓበንን ክብርን ኪዀኑኒ ኢለ፡ ከምቲ ቕናት ሰብኣይ ቀጥ ኢሉ ኣብ ሕቚኡ ዚጠብቕ፡ ከምኡ ኸኣ ቀጥ ኣቢለ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣሕርብቲ ዘበለ ወይኒ ኺምላእ እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ፡ እዚ ቓል እዚ ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣሕርብቲዶ ወይኒ ኸም ዚምላእ ኣይንፈልጥን ኢና? ይብሉኻ።
13 ሽዑ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ምለሰሎም፡ እንሆ፡ ንዂሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ዘለው ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያት ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብስኽራን ክመልኦም እየ።
14 ነቦታትን ንውሉድን ኣሕቢረ ነቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኸራጽሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይክድንግጽን፡ ኣይክንሕፍን፡ ኣይክምሕርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15 እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ስምዑ፡ ጽን በሉ፡ ኣይትተዐበዩ፡
16 እግዚኣብሄር ከየጸልመተ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ ኣኽራን ከኣ ኣእጋርኩም ከይተሰናኸለ፡ ነታ እትጽበይዋ ብርሃን ድማ ድነ ሞት ከይገበራ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማውን ከይለወጣ ኸሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ክብሪ ሀቡ።
17 እንተ ዘይሰማዕኩም ግና፡ ብሰሪ ትዕቢትኩም ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበኪ እያ፡ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፡ ንብዓት ድማ ዘርባሕባሕ ይብላ ኣለዋ።
18 ንንጉስን ነደ ንጉስን፡ እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፡ ለጠቕ ኢልኩም ተቐመጡ፡ ኢልካ ንገሮም።
19 ከተማታት ደቡብ ተዐጽዋ፡ ዚኸፍተን ድማ የልቦን። ኲላ ይሁዳ ተማረኸት፡ ብዘላ ብጥራስ ተማረኸት።
20 ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ነዞም ካብ ሰሜን ዚመጹ ዘለው ርኣዩ። እቲ እተዋህበካ መጓሰ፡ እቲ ጽቡቕ መጓሰ፡ ኣበይ ኣሎ?
21 ነቶም ባዕልኺ ዘስተምሀርክዮም ፈተውትኺ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣግዝኦም፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው እተታሕዘት ሰበይቲዶ ኣይክትስቀይን ኢኺ?
22 ብልብኺ ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ወረደኒ? እንተ በልኪ፡ ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኺ ዘፈር ክዳንኪ ተኸበከበ፡ ዳንጋኺውን ንሕስራን ተቐልዔ።
23 ኢትዮጵያዊዶ ቘርበቱ ወይስ ነብሪ ዕሮርባይ ምዃኑ ኺልውጥ ይከኣሎ እዩ? እምበኣርከ ንስኻትኩም ድማ እከይ ንምግባር ዝለመድኩምሲ ጽቡቕ ያኢ ኽትገብሩ ኢኹም።
24 ስለዚ ድማ ኣነ ኸምቲ ንፋስ በረኻ ዝበቈጾ ብቚቡቚ ክዘርዎም እየ።
25 ንኣይ ረሲዕክኒ፡ ኣብ ሓሶት ከኣ ተወኪልኪ ኢኺ እሞ፡ ግዴኺ፡ እቲ ኣነ ዝኸፈልኩልኪ ኽፍሊ፡ እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
26 ስለዚ ሓፍረትኪ ኺርኤ፡ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገጽኪ ክኽብክብ እየ።
27 ዝሙትክን ምሕምሓምክን ኣብ ኲድዂዶታትን ኣብ መሮርን ዝገበርክዮ ርኽሰት ምንዝርናኽን፡ እቲ ጽያፍኪ ርኤኹ። ኣቲ የሩሳሌም፡ ወይለኺ። መኣዝ ኰን ክትጸርዪ ኢኺ?

1 እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናይ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
2 ይሁዳ ትሐዝን፡ ደጌታታ ኣሕለልዩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ኣብ ምድሪ ይደኑ ኣለው፡ ብኽያት የሩሳሌም ዋሕ ይብል ኣሎ።
3 ጭዋታቶም ንደቆም ማይ ኬምጽኡ ይልእክዎም፡ ናብቲ ሓጽብታት ወሪዶም ማይ ይስእኑ እሞ ዓታሩኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ይምለሱ፡ ሐፊሮምን ሐኒኾምን ርእሶም ይጒልበቡ።
4 ማይ ስለ ዘይዘነመ፡ እታ ምድሪ ኳሕኳሕ በለት እሞ፡ ሓረስቶት ሐኒኾም ርእሶም ይጒልበቡ ኣለው።
5 ኣብ መሮር ዝወለደት እራብ እኳ፡ ሳዕሪ ስለ እተሳእነ፡ ማሕስኣ ሐዲጋ ትኸይድ።
6 ኣእዱግ ከደን ድማ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን ከም ወኻሩ ይልህልሃ፡ ካብ ሰኣን ሳዕሪ እተላዕለ ኣዒንተይ ሰም ይብላ ኣለዋ።
7 ጥልመትና ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻውን በዲልና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳና እኳ እንተ ኸሰሰና፡ ስለ ስምካ ኢልካ ደኣ ግበር።
8 ኣታ ተስፋ እስራኤል፡ ብጊዜ ጸበባ መድሓኒኡ፡ ስለምንታይ ኣብዛ ሃገር ከም ጋሻ፡ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዚሐድር ሓላፍ መገዲ ዀንካ?
9 ስለምንታይ ከም ቀባሕብሓ፡ ከምቲ ኼውዕል ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ዝዀነ ዀይኑስ ንስኻ ኣብ ማእከልና ኣሎኻ፡ ብስምካ ኸኣ ተሰሚና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
10 እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪዛውኑ ይፈትው፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣይፈትወሎምን፡ ሕጂ ንኣበሳኦም ይዝክር፡ ንሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ ኣሎ።
11 እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ፡
12 ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ እምበር፡ እንተ ጾሙ እኳ ጥርዓኖም ኣይክሰምዕን፡ ዚሐርርን ዚብላዕን መስዋእቲ እንተ ሰውኡውን፡ ኣይክፈትወሎምን እየ።
13 ኣነ ድማ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት እኮ እዮም፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይክትርእዩን ጥሜትውን ኣይኪመጻኩምን እዩ፡ ዚብልዎም ዘለው፡ በልኩ።
14 ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ።
15 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣነ ኸይለኣኽክዎም፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይፍን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ዚንበዩ ነብያት፡ እዞም ነብያት እዚኣቶም ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም።
16 ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ድማ እከዮም ኣብ ርእሶም ከፍስሰሎም እየ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜትን ብሰይፍን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪወድቁ እዮም፡ ዚቐብሮም ድማ ኪስእኑ እዮም።
17 እምበኣርስኸ እዚ ቓል እዚ ንገሮም፡ እታ ድንግል ጓል ህዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፡ ብዘሰቂ ቚስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፡ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቛረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ።
18 ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ፡ እንሆ፡ ብሰይፊ ዝሞቱ፡ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፡ እንሆ፡ ብጥሜት ዝቓሀመሙ፡ ክሳዕ ነብይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለው።
19 ካንዶ ንይሁዳ ብጥራስ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻዶ ብጽዮን ሰክሔት? ስለምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሐዊ ጌርካ ወቓዕካና? ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ሰናይ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ።
20 ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻ በዲልና ኢና እሞ፡ ረሲእነትናን ኣበሳ ኣቦታትናን ተፈሊጡና ኣሎ።
21 ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዐቐና፡ ነቲ ዝፋን ክብርኻ ኣይተዋርዶ፡ ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ።
22 ካብቶም ናይ ኣረማውያን ጣኦታትዶ ኼዝንም ዚከኣሎ ኣሎ እዩ? ወይስ ሰማይዶ እዩ ማይ ሽው ዜብል? ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን? እዚ ዂሉ ዝገበርካስ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትጽቢትና ናባኻ እዩ።

 

1 እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶን። ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም እሞ ይጸርገፉ።
2 ናበይ ክንከይድ ኢና? እንተ በሉኻ ኸኣ፡ ንሞት እተመደበ ናብ ሞት፡ ንሰይፊ እተመደበ ናብ ሰይፊ፡ ንጥሜት እተመደበ ናብ ጥሜት፡ ንምርኮ እተመደበ ናብ ምርኮ ይኸይድ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም።
3 ኣነ ኣርባዕተ ዓይነት፡ ሰይፊ ንምቕታሎም፡ ኣኽላባት ንምጒታቶም፡ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከኣ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን ከውርደሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4 ብሰሪ ምናሴ፡ ወዲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰሪ እቲ ንሱ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡ ኣብ ኲሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ።
5 ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ይድንግጸልኪ? መንከ እዩ ዚበኽየልኪ? ብናይ ሰላምኪ ኺጥይቕ ዚሀልከልክስ መን እዩ?
6 ኣቢኺኒ፡ ንድሕሪት ተመለስኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ስለዚ ብምምሓርኪ ደኺመ ኢደይ ኣባኺ እዝርግሕ ኤጥፍኣኪውን ኣሎኹ።
7 ኣብ ደጌታት እታ ሃገር ብመስኤ መስኤኽዎም፡ ንህዝበይ ውሉድ ከሊኤ ኣጥፋእክዎ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣይተመልሱን።
8 መበላሉኦም ካብ ሑጻ ባሕሪ በዝሓኒ፡ ኣብ ኣደ እቶም ኣጒባዝ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምጻእኩ፡ ብድንገት ጓህን ረዓድን ኣውደቕኩላ።
9 ሾብዓተ ዝወለደት ተሐሊላ ትንፋሳ ትወጽእ፡ ገና መዓልቲ ኸላ ጸሓያ ትዐርባ፡ ትሐፍርን ትሐንኽን ኣለ። ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
10 ኣቲ ኣደይ፡ ንዂሉ ሃገር ሰብኣይ ቈዮቛን ሰብኣይ ክትዕን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺ እሞ፡ ወይለይ። ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ ዂላቶም ይረግሙኒ ኣለው።
11 እግዚኣብሄር፡ ብሓቂ ንደሓን ክሕልወኻ፡ እቲ ጸላኢ ድማ ብጊዜ ጭንቀትን ብጊዜ ጸበባን ከም ዚልምነካ ኽገብር እየ፡ ይብል ኣሎ።
12 ሓጺን፡ እቲ ኻብ ሰሜን ዝወጸ ሓጺንን ንሃስንዶ ይስበር እዩ?
13 ሃብትኻን መዛግብትኻን ብሰሪ ዂሉ ሓጢኣትካ ኣብ ኲሉ ዶብካ ንዘመተ ብኸምኡ ኽምጥዎ እየ።
14 ካብ ቊጥዓይ እተላዕለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ነዲዱ በግ ኪብል እዩ እሞ፡ ምስ ጸላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።
15 ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ዘክረኒ ብጽሓኒ ኸኣ፡ ንሰጐጒተይ ድማ ሕነ ፍደየለይ። ስሌኻ ኢለ ጸርፊ ኸም እተዐገስኩ ፍለጥ።
16 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።
17 ኣብ ባይቶ መላገጽቲ ኣይተቐመጥኩን ባህውን ኣይበለንን፡ ብዂራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡ ብምኽንያት ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ።
18 ስለምንታይ ከየቛረጽኩ እቕንዞ፡ ስለምንታይከ ቚስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ ለገመ? ከም ጠባሪ ዓይኒ ማይ፡ ከምቲ ነጻፊ ማይዶ ኽትኰነኒ ኢኻ?
19 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንተ ተመለስካስ፡ ክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ይመለሱኻ እምበር፡ ንስኻስ ኣይትመለሶም።
20 ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ጽኑዕ ቀጽሪ ነሃሲ ኽገብረካ እየ። ንሳቶም ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም።
21 ካብ ኢድ እኩያት ከናግፈካ፡ ካብ ኢድ ሓያላት ከኣ ክብጀወካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄርውን ናባይ መጸ።
2-4 እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ስፍራ እዚ ዚውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም ኣዴታትን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር ዝወለድዎም ኣቦታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብብርቱዕሕማም ኪሞቱ እዮም፡ ኣይኪብከዮምን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ፡ ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኣይሀልውኻ።
5 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰላመይን ሳህለይን ምሕረተይን ካብዚ ህዝቢ እዚ ኣርሒቐ ኣሎኹ እሞ፡ ኣብ ቤት ሓዘንቲ ኣይትእቶ፡ ከተልቅስ ድማ ኣይትኺድ፡ ኣይተትሐዝኖምውን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6 ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዓበይትን ናእሽቱን ኪሞቱ ኣይኪቕበሩን ከኣ እዮም፡ ሓደ እኳ ዚበኽየሎምን ዚመልጠሎምን ዚነጽየሎምን ከኣ ኣይኪርከብን እዩ።
7 ብናይ እቲ ዝሞተ ንምጽንናዕ ኪኸውን ኢሎም፡ እንጌራ ሓዘንቲ ኣይኪቘርሱሎምን እዮም። ብናይ ኣቦን ኣደን መጸናንዒ ዚኸውን ብዋንጫ ዜስትዮም ኣይኪህሉን እዩ።
8-9 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፡ ብዘመንኩም ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸጥፍኦ እየ
እሞ፡ ምሳታቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ኢልካ ናብታ ዚእከቡላ ቤት ኣይትእቶ፡ ይብል ኣሎ።
10 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኲሉ እዚ ቓላት ነዚ ህዝቢ እዚ ምስ ነገርካዮ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኵሉ እዚ ዓብዪ መዓት ዚዛረበልና ዘሎ? እንታይ እዩ ኣበሳና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ? እንተ በሉኻ፡
11 ንስኻውን ክትብሎም ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቦታትኩም ስለ ዝሐደጉኒ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዐቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፡ ንኣይ ስለ ዝሐደጉኒ፡ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሐለው፡
12 ንስኻትኩምውን እንሆ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ምእንቲ ኸይትሰምዑኒ፡ ብትሪ እኩይ ልብኹም እናተመላለስኩም፡ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ጌርኩም ኢኹም እሞ፡
13 ስለዚ ኣነ ኻብ እዚ ሃገር እዚ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይክምሕረኩምን እየ እሞ፡ ኣብኡውን ለይትን መዓልትን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉ ኢኹም።
14 ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይበሀለሉ ዘመን፡
15 ግናኸ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጒዎም ዝነበረ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16 ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ኣነ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ ኺገፍዎም ክሰደሎም እየ። ብድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ሃደንቲ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ዂድዂዶታትን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኪሀድንዎም ክሰድድ እየ።
17 ኣዒንተይ ኣብ ኲሉ መገድታቶም ይጥምታ ኣለዋ እሞ፡ ካብ ቅድመይ ኪሕብኡ ኣይከኣሎምን፡ ኣበሳኦም ከኣ ካብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።
18 ንሃገረይ ብሬሳታት ጣኦታቶም ኣርኪሶምዋ፡ ንርስተይውን ብጽያፎም መሊኦምዋ እዮም እሞ፡ ቅድምሲ መስጣ እቲ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።
19 ኣታ ጐይታይ፡ ሓይለይ፡ እምባይ፡ ብመዓልቲ ጸበባውን ገዳመይ፡ ህዝብታት ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ኣቦታትናስ ሓሶትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዜብሎምን ጥራይ እዮም ዝወረሱ፡ ኪብሉ እዮም።
20 ሰብዶ ኣማልኽቲ ንርእሱ ይገብር እዩ? ግናኸ ንሳቶምሲ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።
21 ስለዚ እንሆ፡ ከፍልጦም እየ፡ በዚ ጊዜ እዚ ኢደይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፡ ስመይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም።

1 ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ብብልሒ ኣልማዝ ጽሑፍ እዩ፡ ኣብ ጽላት ልቦምን ኣብ ቀርኒ መሰውኢታትኩምን ከኣ ውቑር እዩ።
2 ከምቶም ንደቆም ዚዝክሩ፡ ከምኡ ኸኣ ንመሰውኢታትን ኣስታርቴታትን ኣብ ዝለምዔ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኹ ዂርባታትን ይዝክሩ ኣለው።
3 ኣቲ ኣብ መሮር ዘሎኺ ኸረነይ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ኲሉ ዶባትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት ንሃብትኽን ንዂሉ መዛግብትኽን ነቲ በረኽቲ ዂርባታትክን ንዘመተ ኽምጥዎ እየ።
4 ንሓዊ ቚጥዓይ ኣቃሊልኩምዎንሲ፡ ንሓዋሩ ኺነድድ እዩ እሞ፡ ብሰሪ በደልኪ ነቲ ሂበኪ ዝነበርኩ ርስቲ ኽትለቅዮ ኢኺ፡ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእትኺ ኸግዝኣኪ እየ።
5 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ሰብ ዚውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር፡ ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ።
6 ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብቲ ሓደ እኳ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብር እምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስ፡ ኣይርእዮን።
7 ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ።
8 ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን።
9 ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ?
10 ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ።
11 እቲ ብዘይ ቅንዕና ሃብቲ ዚእክብ ከምታ ንዘይወለደቶ እንቋቚሖ እትሐቊፍ ቆቛሕ እዩ። ኣብ ፈረቓ ዕድሚኡ ይሐድጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓሻ ይኸውን።
12 እቲ ኻብ ጥንቲ ልዕል ዝበለ ዝፋን ግርማስ ስፍራ መቕደስና እዩ።
13 ዎ እግዚኣብሄር፡ ትጽቢት እስራኤል፡ እቶም ዚሐድጉኻ ዘበሉ ኺሐንኩ እዮም። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ህያው ዓይኒ ማይ፡ ስለ ዝሐደጉ፡ እቶም ካባኻ ዚርሕቁ ኣብ ሓመድ ኪጽሐፉ እዮም።
14 ዎ እግዚኣብሄር፡ ውዳሰይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ኣሕውየኒ፡ ክሐዊ ድማ እየ፡ ኣድሕነኒ፡ ክድሕንውን እየ።
15 እንሆ፡ ንሳቶም፡ ኣበይ ኣሎ ቓል እግዚኣብሄር? ይምጻእ ሕጃይ፡ ይብሉኒ ኣለው።
16 ኣነስ እናሰዐብኩኻ ጓሳ ምዃን ኣይኣቤኹን፡ መዓልቲ መከራ ኣይደሌኹን፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፡ ከናፍረይ እተዛረባኦ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እዩ።
17 ብመዓልቲ ጸበባስ ጸግዔይ ንስኻ ኢኻ፡ ስምባድ ኣይትዂነኒ።
18 እቶም ሰጐጒተይ ይሕነኹ፡ ኣነ ኣይሕነኽ፡ ንሳቶም ይሰምብዱ፡ ኣነ ኣይሰምብድ። መዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎም፡ ካዕበት ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።
19 እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ኣብተን ነገስታት ይሁዳ ዚኣትውለንን ዚወጹለንን ደጌታት ደቂ ህዝብን ኣብ ኲለን ደጌታት የሩሳሌምን ኬድካ ቑም እሞ፡
20 ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኲላትኩም ይሁዳን፡ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም።
21 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍስኹም ሐልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ኣይትጹሩ፡ ብደጌታት የሩሳሌምውን ኣይተእትዉ፡
22 ገለ እኳ ጾር ካብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ። ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም ደኣ መዓልቲ ሰንበት ቀድሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትግበሩ።
23 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖምውን ጽን ኣይበላን። ከይሰምዑን ከይግሰጹንሲ ኽሳውዶም ደኣ ኣትረሩ።
24 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንስኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር ከይተእትዉ ጽን ኢልኩም እንተ ሰማዕኩምኒ፡ ንመዓልቲ ሰንበትሲ ብእኣ ገለ ዕዮ ኸይዐየኹም እንተ ቐደስኩምዋ፡
25 ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ነገስታትን መሳፍንትን፡ ብሰረገላታትን በፍራስን፡ መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ኽትከውን እያ።
26 ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጋን ካብ ደቡብን ዚሐርርን ዚሕረድን ዚብላዕን መስዋእቲ፡ ዕጣንውን ሒዞም ኪመጹ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ኬቕርቡ እዮም።
27 ግናኸ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ጾር ከይትጾሩን ብደጌታት የሩሳሌም ከይተእትውን እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ሽዑ ኣነ ኣብ ደጌታት ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱ ኸኣ ንግምብታት የሩሳሌም ኪበልዖ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ።

 

1-2 እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ።
3 ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኺሰርሕ ጸንሔ።
4 እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ምስ ተጸየቐ:ከም ብሓድሽ እቲ ሰራሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ።
5 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡
6 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ? ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቊስን ከፍርስን ከጥፍእን እዛረብ ኣሎኹ።
8 እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ።
9 ሓደ ጊዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሀንጽን ክተክልን እዛረብ ኣሎኹ።
10 ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዐሰሉ።
11 እምበኣርሲ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ እንሆ፡ ሕሰም ኤዳልወልኩም፡ ንጒድኣትኩም ከኣ ሓሳብ እሕልን ኣሎኹ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ።
12 ንሳቶም ግና፡ ከንቱ እዩ፡ ንሕናስ ንሓሳብ ርእስና ኽንሰዕብ፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ከምቲ ትሪ ሕሱም ልብና ኽንገብር ኢና፡ በሉ።
13 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስከ ኸምዚ ዘመሰለ ዝሰምዔ እንተሎስ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሕተቱ፡ እታ ድንግል እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ጉድ ገይራ ኣላ።
14 በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ? እቲ ኻብ ርሑቕ ዚመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ?
15 ህዝበይንንከ ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዐጥን ኣሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ።
16 በዚ ኸምዚ ንሃገሩ ዑና፡ ንሓዋሩ ድማ መላገጺ ይገብሩ። እቶም ብእኣ ዚሐልፉ ዘበሉ ዂሎም ይግረሙ፡ ርእሶም ከኣ ይንቕንቑ።
17 ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ኸም ንፋስ ምብራቕ ክብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጸበባኦም ዝባን እምበር፡ ገጽ ኣይከርእዮምን እየ።
18 ንሳቶም ድማ፡ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛ፡ ቃል ካብ ነብዪ ኣይስኣንን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ምኽሪ ንጣበበሉ፡ ንዑ ብልሳንና ንውቅዓዮ፡ ንዂሉ ቓላቱ ድማ ግዱ ኣይንግበር፡ በሉ።
19 ጐይታየ፡ ኣባይ ጽን በል፡ እዞም ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ።
20 ንነፍሰይ ጒድጓድ ኲዒቶምላ እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ሰናይዶ እከይ ይፍደ እዩ? ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኲራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ: ኣብ ቅድሜኻ ከም ዝቘምኩ ዘክር።
21 ስለዚ ደቆም ንጥሜት መጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ናብ ኢድ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሀብ። ኣንስቶም ደቂ ዜብለን መበላሉ ይኹና፡ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ። ኣጒባዞም ከኣ ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይወቕዑ።
22 ኪሕዙኒ ጒድጋድ ኲዒቶምለይ፡ ነእጋረይ ከኣ መፈንጠራ ደቢቖምለይ እዮም እሞ፡ ብድንገት ጥፍራ ኣምጺእካሎምሲ ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይስማዕ።
23 ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኪቐትሉኒ ኢሎም ዝሐለንዎ ምኽሪ ዂሉ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኣበሳኦም ይቕረ ኣይትበለሎም፡ ሓጢኣቶምውን ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ጻሕ ይበሉ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኻውን ከምዚ ግበሮም።

 

1 እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ኪድ፡ ካብቲ ሰራሕ መሬት ከኣ ሳርማ ተሻየጥ እሞ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትን ተማላእ።
2 ናብቲ ኣብ ጥቓ መእተዊ ደገ ናይቶም ሰራሕቲ መሬት ዘሎ ለሰ ወዲ ሂኖም ውጻእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ኣውጅ፡
3 በልውን፡ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንዝሰምዖ ዘበለ ዂሉ ኣእዛኑ ዚጸመሉ መዓት ከውርድ እየ።
4 ንኣይ ሐዲጎምኒ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ጓና ገይሮምዎ፡ ነቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ዐጢኖምሉ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ብደም ንጹሃት መሊኦምዎ እዮም።
5 ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ኣብ ልበይውን ዘይኣተወንሲ፡ ንበዓል ዚሐርር መስዋእቲ ኪዀኑ ኢሎም፡ ነወዳቶም ብሓዊ ምእንቲ ኼንድድዎም፡ በረኽቲ ስፍራ ንበዓል ሰርሑ።
6 ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እዝ ስፍራ እዚ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌቶ ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንምኽሪ ይሁዳን የሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ብሰይፍን ብኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ሬሳታቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ኪዀኖም ክህቦ እየ።
8 ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ንመሰክሕን ንመላገጽን ክገብራ እየ። ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ብዂሉ ስቓያ ኺስክሕን ኬላግጽን እዩ።
9 ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዚደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ኪባልዑ እዮም።
10 ሽዑ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ እሞ በሎም፡
11 ከምቲ ናይ ሰራሕ መሬት ኣቕሓ ምስ ተሰብረ ዘይዕረ፡ ከምኡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ ኣብ ቶፌት ኪቕበሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
12 ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ቶፌት ክገብራስ፡ ነዚ ስፍራ እዝን ነቶም ኣብኡ ዚነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13 ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡ ኲለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሲ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ዝዐጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዐዉለን ኣባይትን፡ ከም ስፍራ ቶፌት ኪረኽሳ እየን።
14 ኤርምያስ ከኣ ካብቲ እግዚኣብሄር ኪንበ ኢሉ ልኢኽዎ ዝነበረ ቶፌት ተመሊሱ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቈመ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ በለ፡
15 እንሆ፡ ንቓለይ ከይሰምዑ ኽሳዶም ኣትሪሮም እዮም እሞ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብ ኲለን ዓድታታን እቲ እተዛረብኩላ ዘበለ ዂሉ መዓት ከውርደለን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል።

 

1 እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሕልቅነት እተሸመ ጳሽሑር፡ ወዲ እቲ ኻህን ኢሜር፡ ኤርምያስ እዚ ነገር እዚ ኺንበ ኸሎ ሰምዖ።
2 ጳሽሑር ከኣ ንነብዪ ኤርምያስ ወቕዖ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረት ላዕለይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጒንዲ ኣሰሮ።
3 ንጽባሒቱ ጳሽሑር ንኤርምያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኦ። ኤርምያስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ማጉር ፦ ሚሳቢብ እምበር፡ ጳሽሑር ኢሉ ኣይሰመየካን፡ በሎ።
4 እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንርእስኻን ንዂሎም ፈተውትኻን መሰምበዲ ኽገብረካ እየ፡ ብሰይፊ ጸላእቶም ኪወድቁ እዮም፡ ኣዒንትኻ ድም ኪጥምታኦ እየን። ንዂላ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱ ድማ ናብ ባቢሎን ኪማርኾም ብሰይፊውን ኪቐትሎም እዩ።
5 ኲሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኲሉ ጻማኣን ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኣን ኲሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ክህቦ እየ። ንሳቶም ድማ ኪዘምትዎ፡ ኪወስድዎ፡ ናብ ባቢሎንውን ኪማርኽዎ እዮም።
6 ኣታ ጳሽሑር፡ ንስኻን ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ዂሎምን ክትማረኹ ኢኹም፡ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ኢኻ እሞ፡ ምስቶም ሓሶት እተነቤኻሎም ኲሎም ፈተውትኻ ኣብኡ ኽትመውት፡ ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ።
7-8 ብተዛረብኩሉ መጠን እጭርሕ፡ ዓመጽን ዘመተን ኢለ እጭርሕ ኣሎኹ። ቃል እግዚኣብሄር መዓልቲ ብመልኣ ንጸርፍን መላገጽን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጠበርካኒ ተጠበርኩ ኸኣ፡ ሐየልካኒ ኣሕመቕካኒ ድማ። ኣብ ጸጽባሕ መላገጺ ዀንኩ፡ ኲሎምውን የባጭውለይ ኣለው።
9 ኣይክዝክሮን፡ ደጊምስ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ፡ እኳ እንተ በልኩ፡ ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን።
10 ብዙሓት ኪሐምዩኒ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ብዂሉ ሸነኸይ ስምባድ ይኸበኒ ኣሎ። ክሰስዎ፡ ንሕና ኸኣ ክንከሶ፡ ኢሎም ኲላቶም ፈተውተይ ውድቀተይ ይቃጸዉ፡ ምእንቲ ኸነሕምቖን ሕነ ኽንፈድዮንሲ ይጥበረልና ይኸውን፡ ይብሉ ኣለው።
11 ግናኸ እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ። ስለዚ እቶም ሰጐጒተይ ተዐንቂፎም ይወድቁ፡ ዚከኣሎምውን የልቦን። ብጥበብ ስለ ዘይገበርዎ ኣዝዮም ኪሐንኩ እዮም፡ ነውሮም ድማ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ።
12 ኣታ ንጻድቕ እትምርምር፡ ልብን ኰላሊትን እትርኢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነገረይ ንኣኻ ኣማዕቊበ እየ እሞ፡ ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።
13 ንነፍሲ ድኻ ኻብ ኢድ ገበርቲ እከይ ኣድሒንዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ወድሱ።
14 እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፡ እታ ኣደይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ።
15 እቲ ነቦይ፡ ወዲ ተወሊዱልካ፡ ኢሉ ዘበሰሮ እሞ ዘሐጐሶ ሰብኣይ ርጉም ይኹን።
16 እቲ ሰብኣይ እቲ ኸምተን እግዚኣብሄር ከይተጣዕሰ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን። ንግሆ ኣውያት፡ ቀትሪ ድማ ጭድርታ ውግእ ይስማዕ።
17 ኣደይ መቓብረይ ክትከውን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ብጥንስታ ኽትነብርሲ፡ ስለምንታይ ኣብ ማሕጸን ወላዲተይ ከሎኹ ዘይቀተለኒ?
18 ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፡ ዕለተይ ከኣ ብሓፍረት ክውድእከ ስለምንታይ ካብ ማሕጸን ወጽእኩ?

 

1-2 ንጉስ ጼድቅያስ ንጳሽሑር፡ ወዲ መልክያን ንጻፋንያስ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ናብክደናጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ኪዋግኣና ይብል ኣሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኲሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዚመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና፡ ኪብልዎ ናብ ኤርምያስ ምስ ለኣኾም፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ።
3 ኤርምያስ ከኣ፡ ንጼድቅያስ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ፡ በሎም፡
4 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ንንጉስ ባቢሎንን ነቶም ብኽንየው ቀጽሪ ዚኸቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ክመልሶ ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክእክቦ እየ።
5 ኣነ ባዕለይ ብተዘርግሔት ኢድን ብብርቱዕ ቅልጽምን ብዂራን ብነድርን ብዓብዪ ቚጥዓን ክዋግኣኩም እየ።
6 ኣብዛ ኸተማ ንዚነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፡ ብብርቱዕ ፌራ ድማ ኪሞቱ እዮም።
7 ድሕርዚ ኸኣ ንጼድቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ነቶም ካብ ፌራን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን ናብ ኢድ ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ እቶም ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ክምጥዎም እየ። ንሱ ኸኣ ብብልሒ ሰይፊ ኺወቕዖም፡ ኣይኪንሕፎምን ኣይኪድንግጸሎምን ኣይኪምሕሮምን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
8 ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን ኤንብር ኣሎኹ።
9 ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመጥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ። ግናኸ እቲ ወጺኡ ናብቶም ከቢቦምኹም ዘለው ከለዳውያን ዚኣቱ ብህይወቱ ኺነብር፡ ነፍሱ ኸኣ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ።
10 ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንኽፉእ፡ ገጸይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣሎኹ እሞ፡ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሀብ እያ፡ ንሱውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11 ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡
12 ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ብሰሪ እከይ ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፡ ዜጥፍኦ ኽሳዕ ዚስእን ከኣ ከይነድድሲ፡ ኣንጊህኩም ፍርዲ፡ ነቲ እተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13 ኣቲ ኣብ ለሰ ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘሎኺ፡ እኔኹ፡ ናብ ርእስኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ከኣ፡ መን እዩ ሓደጋ ዚወድቀና፧ መንከ እዩ ኣብ ሰፈርና ዚኣቱ፧ እትብሉ ዘሎኹም፡
14 ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ገይረ ክቐጽዓኩም፡ ኣብቲ ዱራ ሓዊ ኽኣጒድ እየ እሞ፡ ንዂሉ ኸባቢኣ ኺበልዖ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ ኣብኡ እዚ ቓል እዚ ተዛረብ፡
2 በል ከኣ፡ ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘሎኻ ንጉስ ይሁዳ፡ እቶም በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ንስኻን ግዙኣትካን ህዝብኻን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡
3 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዐግቡን ኣይትዐምጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዐው።
4 ነዛ ቓል እዚኣ ብሓቂ እንተ ገበርክምዋ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለው ነገስታት፡ ንሱን ግዙኣቱን ህዝቡን፡ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም ብደጌታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም።
5 ግናኸ ነዘን ቃላት እዚኤን እንተ ዘይሰማዕኩም፡ እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዖኑ፡ ብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6 ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ንኣይ ከም ጊልኣድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ብርግጽ ከም ምድረ በዳ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።
7 ነፍሲ ወከፍ መምስ ኣጽዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ነቲ መምሩጽ ጽሕድታትካ ኪቘርጽዎን ኣብ ሓዊ ድማ ኬእትውዎን እዮም።
8 ዙሓት ህዝብታት በዛ ኸተማ እዚኣ ኺሐልፉ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ? ኪባሃሀሉ እዮም።
9 ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደጉን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ዘምለኹን እዩ፡ ኢሎም ከኣ ኪመልሱሎም እዮም።
10-12 እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን።
13-14 እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሀንጽ እየ፡ ዚብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ።
15 ብጽሕዲ እንተ ኣጌጽካ ዶዀን ክትነግስ ኢኻ፡ ኣቦኻስ ኣይበልዔን ኣይሰተየንዶ፡ ጽድቅን ፍርድንከ ኣይገበረንዶ እዩ? ሽዑ ደኣ ደሓን ኰነሉ።
16 ነቲ ሽጉርን ድኻን ፍትሒ ኣውጽኤ፡ ስለዚ ደሓን ኰነሉ። እዚ ነኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን? ይብል እግዚኣብሄር።
17 ዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምን ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሑዝ እዩ።
18 ስለዚ ብዛዕባ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዋይ ሓወይ፡ ዋይ ሓብተይ፡ ኢሉ ዜልቅሰሉ የልቦን። ኣየ ጐይታ፡ ኣየ ኽብረቱ፡ ኢሎም ከኣ ኣይኬልቅሱሉን እዮም።
19 ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ፡ ጓቲቶም ብኽንየው ደጌታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም።
20 ኲላቶም ፈተውትኺ ተደቚሶም እዮም እሞ፡ ናብ ሊባኖስ ደዪቢ ኣእውዪ ኸኣ። ድምጽኺ ናብ ባሳን ዓው አብሊ፡ ካብ ዓባሪም ድማ ኣእውዪ።
21 ደሓን ከሎኺ ተዛረብኩኺ፡ ንስኺ ግና፡ ኣይሰምዕን፡ በልኪ። ድምጸይ ዘይምስማዕክስ እቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚሩ ዝነበረ መገድኺ እዩ።
22 ንዂሎም ጓሶትኪ ንፋስ ኪጓስዮም እዩ፡ ፈተውትኺ ድማ ኪማረኹ እዮም። ሽዑ ብሰሪ እከይኪ ኽትሐፍርን ክትሐንክን ኢኺ።
23 ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፡ ኣቲ ብጽሕዲ ኣጒዶኺ እትሰርሒ ዘሎኺ፡ ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ምስ መጸኪ፡ ክንደይ መደንገጺ ዀን ክትኰኒ ኢኺ።
24 ኢኮንያስ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ የማናይ ኢደይ ቀለቤት መሕተሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣነ ህያው ከም ዝዀንኩ፡ ካብኡ ኸውጽኣካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
25 ኣነ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኻ ዚደልዩን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ናቡክደናጾር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ክምጥወካ እየ።
26 ንኣኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምሉ ሃገር ጓና ኽሰጐኩም እየ። ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።
27 ናብታ ኺምለስዋ ዚናፍቕዋ ሃገር፡ ናብኣ ኣይኪምለሱን እዮም።
28 እምበኣርሲ እዚ ሰብኣይ፡ እዚ ኢኮንያዶ ንዑቕን ስቡርን ኣቕሓ እዩ? ዘየብህግ ኣቕሓዶኸ እዩ? ስለምንታይ ደኣ ንሱን ዘርኡን ተወንጨፉ፡ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገርስ ተደርበዩ?
29 ኣቲ ሃገር፡ ኣቲ ሃገር፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ።
30 ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ ርህይዎ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዚነግስ የልቦን እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸም መኻን፡ ብዕለቱ ኸም ዘይረሀዎ ሰብ ኢልኩም ጽሐፉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 እቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ዚዘርውን ጓሶት ወይለኦም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
2 ስለዚ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዚጓስዩ ጓሶትሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነባጊዔይ ዝዘሮኽምወንንን ዘባረርኩምወንን ግደን ዘይገበርኩምን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ፡ ብሰሪ እከይ ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
3 ኣነ ኸኣ ነተን ካብ ኣባጊዔይ ዝተረፋ ኻብቲ ዝሰጐጒክወን ኲሉ ሃገር ክእክበን፡ ናብ መጓስኤን ድማ ክመልሰን እየ፡ ኪፈርያን ኪበዝሓንውን እየን።
4 ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
5 እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእ፡ ኪቐንዖ ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ኬውጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6 ብዘመኑ ይሁዳ ኺድሕን፡ እስራኤል ድማ ኣስተርሕዩ ኺነብር እዩ። ዚስመየሉ ስም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ጻድቅና እዩ፡ ኪኸውን እዩ።
7-8 ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይባህለሉ ዘመን፡ ግናኸ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጐዮም ዝነበርኩ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤን ዝመርሔን እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣብ ሃገሮምውን ኪነብሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9 ብዛዕባ ነብያት:፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጓእ ይብል፡ ኲሉ ዓጻጽምተይ ራዕራዕ ይብል ኣሎ። ብምኽንያት ቅዱስ ቃላቱን ከም ስኹርን ከምቲ ወይኒ ዝመለኾ ሰብኣይን ኰንኩ።
10 እታ ሃገር ብዘመውቲ መሊኣ ኣላ፡ ብሰሪ መርገም ከኣ እታ ሃገር ትሐዝን ኣላ፡ መጓሰዪ በረኻ ነቐጸ። ጒያኦም እኩይ እዩ፡ ሓይሎም ከኣ ሰናይ ኣይኰነን።
11 ነብያትን ካህናትን ረኸሱ፡ ኣብ ቤተይ እኳ እከዮም ረኸብኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 በታ ዝዝክሮም ዓመትሲ መዓት ከውርደሎም እየ እሞ፡ ስለዚ መገዶም ኣብ ጸልማት ከም ስፍራ መንደልህጾ ኽትኰኖም እየ፡ ኣብኣ ተደፊኦም ኪወድቁ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13 ኣብ ነብያት ሰማርያ ድማ ዕሽነት ርኤኩ፡ ብስም በዓል ተነበዩ፡ ንህዝበይ እስራኤል ኣስሐቱ።
14 ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዜሰክሕ ርኤኩ፡ የመንዝሩ፡ ብሓሶት ይመላለሱ፡ ሓደ እኳ ኻብ እከዩ ኸይምለስ፡ ኢድ እቶም እኩያት የጽንዑ ኣለው። ኲላቶም ከም ሶዶም፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ኸም ጎሞራ ዀኑኒ።
15 ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብዛዕባ እቶም ነብያት፡ ካብቶም ነብያት የሩሳሌም ረሲእነት ኣብ ኲላ እታ ሃገር ተዘርጊሑ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ዕረ ኸብልዖም፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮም እየ፡ ይብል ኣሎ።
16 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትሲ ኸንቱነት እዮም ዚምህሩኹም ዘለዉ፡ ራእይ ልቦም እምበር፡ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወጸ ኣይኰነን ዚነግሩኹም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ።
17 ንሳቶም ከኣ ነቶም ዚንዕቁኒ ዘለዉ ዂሉ ጊዜ፡ እግዚኣብሄርሲ ደሓን ኪዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ኣሎ፡ ነቶም ብትሪ ልቦም ዚመላለሱ ዂላቶም ድማ፡ ገለ ኽፉእ ኣይኪወርደኩምን እዩ፡ ይብልዎም ኣለው።
18 ቃሉ ኺርእን ኪሰምዕን ኣብ ምኽሪ እግዚኣብሄር ዝወዐለ መን እዩ? ጽን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዔኸ መን እዩ?
19 እንሆ፡ ህቦብላ እግዚኣብሄር፡ እቲ ነድሩ ኸም ዘራጊቶ ይወጽእ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ረሲኣን ድማ ኪወድቕ እዩ።
20 ቊጥዓ እግዚኣብሄር ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመንሲ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣጸቢቕኩም ከተስተውዕልዎ ኢኹም።
21 ነዞም ነብያት እዚኣቶም ኣይለኣኽክዎምን ግናኸ ጐየዩ፡ ኣነስ ኣይተዛረብክዎምን ግናኸ ንሳቶም ተነበዩ።
22 ኣብ ምኽረይ ውዒሎም ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ቃላተይ ንህዝበይ መስምዕዎም፡ ካብቲ ኽፉእ መገዶምን ካብ እከይ ግብሮምን ከኣ ምመለስዎም ነይሮም።
23 ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ፡ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኰንኩንዶ? ይብል እግዚኣብሄር።
24 ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
25 ነቲ ሐሊመ፡ ሐሊመ እናበሉ፡ እቶም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ዝበልዎ ሰማዕኩ።
26 እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዚንበዩ ነብያት፡ ነብያት ጥበራ ልቦም፡ ክሳዕ መኣዝ ኪጸንሕ እዩ?
27 ከምቲ ኣቦታቶም ምእንቲ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ፡ ንሳቶም በቲ ንሓድሕዶም ዚዛራረቡሉ ሕልምታቶምዶ ንህዝበይ ስመይ ኬረስዕዎ ይሐስቡ ኣለዉ?
28 እቲ ሕልሚ ዝሐለመ ነብዪ ሕልሚ ይዛረብ፡ እቲ ቓለይ ዘለዎ ኸኣ ብሓቂ ቓለይ ይንገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ኣለዎ? ይብል እግዚኣብሄር።
29 ቃለይዶ ኸም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዜብል ሞደሻን ኣይኰነን? ይብል እግዚኣብሄር።
30 ስለዚ እንሆ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ቃለይ ዚሳረቑ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
31 እንሆ፡ ነቶም ልሳኖም ኣልዒሎም፡ ይብል ኣሎ፡ ዚብሉ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
32 እንሆ፡ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዚንበዩ፡ ንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዜስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዚዐብሱሉ የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
33 እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን፡ ጾር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ፡ ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ኣየናይ ጾር እሞ፡ ኢልካ ምለሰሎም። ኣነ ኽድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
34 ነቲ፡ ጾር እግዚኣብሄር፡ ዚብል ነብይን ካህንን ህዝብን፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ንቤቱን ክቐጽዖም እየ።
35 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ? እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ እተዛረበ? ደኣ በሉ።
36 ንቓላት ህያው ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስለ ዝጠዌኹምዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቃሉ ጾሩ ኪዀኖ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ጾር እግዚኣብሄር ኣይትበሉ።
37 ንነብዪ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰልካ? እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ ዝበለ? ኢልካ በሎ።
38 ግናኸ ጾር እግዚኣብሄር እንተ በልኩም፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ፡ ጾር እግዚኣብሄር ከይትብሉ ልኢኸ ነጊረኩም ክነሰይ፡ እዛ ጾር እግዚኣብሄር እትብል ቃል ካብ እተውስኡ፡
39 ስለዚ እንሆ፡ ብጥራስ ክርስዓኩም፡ ንኣኻትኩምን ነታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ኸተማን ካብ ገጸይ ኣርሒቐ ኽድርብየኩም እየ።
40 ናይ ዘለኣለም ነውርን ዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ሓፍረትን ኸውርደልኩም እየ።

1 ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያስ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ምስ መሳፍንቲ ይሁዳን ጾረብትን ሰራሕቲ ሓጻውንን ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ኣግዐዞም፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ፡ ኣብ ቅድሚ መቕደስ እግዚኣብሄር እተነብራ፡ ኣርኣየኒ።
2 እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ፍልም ዝበሰለ በለስ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፡ እታ ሓንቲ መሶብ ድማ ምብላዑ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ።
3 ሽዑ እግዚኣብሄር፡ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ? በለኒ። ኣነ ድማ፡ በለስ፡ እቲ ጽቡቕ በለስ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ሕማቕ ከኣ ብምሕማቑ ኺብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ፡ ኢለ በልኩ።
4 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ነቶም ካብ እዚ ስፍራ እዚ ናብ ሃገር ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ፡ ከምቲ ጽቡቕ በለስ ገይረ፡ ባህ ኢሉኒ ኽጥምቶም እየ።
6 ባህ ኢሉኒ ኣዒንተይ ናባታቶም ከብለን እየ፡ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሀንጾም እየ እሞ ኣይከፍርሶምን፡ ክተኽሎም እየ እሞ ኣይክምንቊሶምን እየ።
7 እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
8 ኣነ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝተረፉ ኣብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ዚነብሩ ዘለዉ ትርፊ የሩሳሌም፡ ከምቲ ሕማቕ ኪብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኰይኑ ዝሐመቐ በለስ ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9 ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ስፍራታት ከኣ ንጸርፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመርገምን ኪዀኑ፡ ኣብ ኲሉ መንግስትታት ምድሪ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
10 ካብታ ንኣታቶም ነቦታቶምን ዝሀብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ክሰደሎም እየ።

 

1-2 ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ንነብካዱነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ቀዳመይቲ ዓመቱ፡ ብዛዕባ ዂሎም ህዝቢ ይሁዳ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ፡ ነብዪ ኤርምያስ ድማ ንዂሉ ህዝቢ ይሁዳን ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ከምዚ ኢሉ ዝኣወጆ ቓል እዚ እዩ፡
3 ካብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመቱ ንዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ሎሚ፡ በዘን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣነውን ነገርኩኹም፡ ኣንገንጊሄ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን።
4 እግዚኣብሄር ከኣ ንዂሎም እቶም ግዙኣቱ ነብያት ለኣኾም፡ ኣንገንጊሁ ለኣኾም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን፡ ክትሰምዑ ኢልኩምውን ኣእዛንኩም ኣይጸሎኹምን።
5 ንሳቶም ከኣ በሉ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለም ኣለም ዝሀባ ምድሪ ኽትነብሩስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እከይ ግብርኹምን ተመለሱ።
6 ከተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ፡ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣይተዀርዩኒ፡ ኣነውን ክፉእ ኣይክገብረኩምን እየ።
7 ግናኸ ንጒድኣትኩም ደኣ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣኰሬኹምኒ እምበር ኣይሰማዕኩምንን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
8 ስለዚ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንቓላተይ ስለ ዘይሰማዕኩም፡
9 እንሆ ንዂሎም ዓሌታት ሰሜንን ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ግዙኤይን ኪነቕሉ ኽልእከሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ናብ እዛ ሃገር እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂላቶም ዚነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂላቶም ህዝብታትን ከምጽኦም እየ። ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንመሰክሕን መላገጽን ንናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን ከኣ ክገብሮም እየ።
10 ካባታቶም ድማ ድምጺ ሓጐስን ድምጺ እልልታን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ሓጐጒ ምባል መጥሓንን ብርሃን ቀንዴልን ከጥፍእ እየ።
11 ኲላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ክትባድምን ክትዖኑን እያ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከኣ ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎም ክግዝኡ እዮም።
12 እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ፡ ንንጉስ ባቢሎንን ነቲ ህዝቢ እትን ክቐጽዖም እየ፡ ንሃገር ከለዳውያን ከኣ ብሰሪ ኣበሳኦም ንሓዋሩ ኸባድማ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13 ነቲ ብዛዕባ እዛ ሃገር እዚኣ እተዛረብክዎ ዂሉ ቓላትን፡ ነቲ ኣብ እዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ዂሉ፡ ኤርምያስ ከኣ ኣብ ኲሎም እቶም ህዝብታት እተነበዮን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተስፋ ኸምጽኦ እየ።
14 ንኣታቶም ድማ ብዙሓት ህዝብን ዓበይቲ ነገስታትን ኪገዝእዎም እዮም፡ ኣነውን ከም ተግባሮምን ከም ግብሪ ኢዶምን ክፈድዮም እየ።
15 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እንካ እዛ ጽዋእ ናይ ቊጥዓ ወይኒ ኻብ ኢደይ ውሰዳ እሞ ነቶም ኣነ ናብኦም ዝልእከካ ህዝብታት ኲሎም ኣስትዮም፡
16 ኪሰትዩን ሰንከልከል ኪብሉን፡ ብሰሪ እቲ ኣነ ዝሰደሎም ሰይፊ ኸኣ ኪዐብዱን እዮም፡ በለኒ።
17 ኣነ ድማ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ወሰድክዋ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዝለኣኸኒ ህዝብታት ኲሎም ኣስቴኽዎም፡
18 ከምቲ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ንምድረበዳን ንመሰክሕን ንመላገጽን ንመርገምን ምእንቲ ክዀኑ፡ ንየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን መሳፍንታን፡
19 ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንገላውኡን ንመሳፍንቱን ንዂሉ ህዝቡን፡
20 ንዂሎም ሕውስዋስ ህዝብን ንዂሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ንኣስቃሎንን ንጋዛን ንዔቅሮንን ንተረፍ ኣሽዶድን፡
21 ንኤዶምን ንሞኣብን ንደቂ ዓሞንን፡
22 ንዂሎም ነገስታት ጢሮስን ንዂሎም ነገስታት ደሴታትን፡
23 ንዴዳንን ንቴማን ንቡዝን ነቶም ጸጒሮም ወሰነ ወሰን ዚላጽዩ ዂሎምን፡
24 ንዂሎም ነገስታት ዓረብን ንዂሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ህውስዋስ ህዝብታትን፡
25 ንዂሎም ነገስታት ዚምርን ንዂሎም ነገስታት ዓረብን ንዂሎም ነገስታት ዔላምን ንዂሎም ነገስታት ሜዶንን፡
26 ንዂሎም ነገስታት ሰሜንን፡ ንዝረሐቑን ንዝቐረቡን፡ ነዝን ነትን፡ ንዂሎም ኣብ ዝባን ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ኣስቴኽዎም፡ ንጉስ ሺወኽ ድማ ድሕሪኦም ኪሰቲ እዩ።
27 ንስኻ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ስተዩ፡ ስኸሩ፡ ትፍኡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ዝሰደልኩም ሰይፊ ኸኣ ውደቑ እሞ መሊስኩም ኣይትተንስኡ፡ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎም ኢኻ።
28 ከይሰተዩ ድማ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩ፡ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት፡ ምስታይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎም ኢኻ።
29 እንሆ፡ በታ ስመይ እተሰምየት ከተማ ምቕጻዕ እጅምር ኣሎኹ፡ እሞኸ ንስኻትኩምዶ ኸይተቐጻዕኩም ክትተርፉ ኢኹም። ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ዂላቶም ሰይፊ ኽጽውዓሎም እየ እሞ፡ ከይተቐጻዕኩምሲ ኣይክትተርፉን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
30 ስለዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኺጭድር፡ ካብቲ ቅዱስ ስፍራኡ ኸኣ ድምጹ ኼስምዕ፡ ንመጓሲኡ ኣበርቲዑ ኺጭድረሉ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዂላቶም ድማ ከም ጭድርታ ረገጽቲ ወይኒ ይጭድረሎም ኣሎ፡ ኢልካ ዂሉ እዚ ቓላት እዚ ተነበየሎም።
31 እግዚኣብሄር ምስ ህዝብታት ነገር ገይሩ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ኸኣ ኪፈርድ እዩ እሞ፡ እቲ ህማም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኺበጽሕ እዩ። ነቶም ረሲኣን ድማ ንኣደዳ ሰይፊ ኺምጥዎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
32 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኺሐልፍ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሪ ኺለዐል እዩ።
33 በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዂዒ ኪዀኑ እዮም እምበር፡ ኣይኪብከዮምን እዩ፡ ኣይኪእከቡን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም።
34 እተን እትሕረዱለን መዓልታት በጺሔን እየን፡ ኣነ ኽሰባብረኩም እየ፡ ከም ክብርቲ ኣቕሓውን ክትወድቁ ኢኹም እሞ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ዋይዋይ በሉን ጨርሑን፡ ኣቱም መራሕቲ መጓሰ፡ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ።
35 እቶም ጓሶት ምህዳም ኪስእኑ፡ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣይኬምልጡን እዮም።
36 እግዚኣብሄር ነቲ ዚጓሰዩሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎ እሞ፡ ናይ ጓሶት ዋይዋይ ምባልን ናይቶም መራሕቲ መጓሰ ኣውያትን ይስማዕ ኣሎ።
37 ካብ ነድሪ ቚጥዓ እግዚኣብሄር እተላዕለ እታ ማሕደር ሰላም ትጽሙ።
38 ካብ ጭከና ሰይፍን ካብ ነድሪ ቚጥዓኡን እተላዕለ ሃገሮም ባዲማ እያ እሞ፡ ከም ኣንበሳ ነታ መሕብኢኡ ሐደጋ።

 

1 ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ኸምዚ ዚብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡
2 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ ንዂለን እተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰግዳ ዚመጻ ኸተማታት ይሁዳ እዚ ኣነ ኽትነግረን ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዂሉ ቓላት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸየጒደልካ ንገረን።
3 ምናልባሽ እንተ ሰምዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ካብ እኩይ መንገዶም እንተ ተመልሱ፡ ኣነውን እቲ ብሰሪ እኩይ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝአመምክዎ መዓት ክጥዐሰሉ እየ።
4 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ኸኣ ንገሮም፡ በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተዘይሰማዕኩምኒ፡
5 ንቓላት እቶም ክትሰምዑ ኢለ ናባኻትኩም ዝልእኮም ዘሎኹ፡ ኣንገንጊሄ ዝለኣኽኩልኩም ግዙኣተይ ነብያት፡ ንስኻትኩምሲ ኣይሰማዕኩምን፡
6 ኣነ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሲሎ ኽገብራ እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዂላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።
7 ካህናትን ነብያትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኤርምያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እዘን ቃላት እዚኤን ኪዛረብ ከሎ ሰምዑ።
8-9 ኰነ ኸኣ፡ ኤርምያስ እቲ እግዚኣብሄር ንዂሉ ህዝቢ ኺነግሮ ኢሉ ዝአዘዞ ዂሉ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ካህናትን ነብያትን ኲሉ እቲ ህዝብን፡ ስለምንታይ እዛ ቤት እዚኣ ኸም ሲሎ ኽትከውን እያ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዚነብረላ ዜብላ ዀይና ኽትዖኑ እያ፡ ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር እተነቤኻ፡ ኢሎም፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እናበሉ ሐዝዎ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኤርምያስ ዐጐጐ።
10 እቶም መሳፍንቲ ይሁዳ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ ቤት ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፡ ኣብ ኣፍ እታ ሓዳስ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ተቐመጡ።
11 እቶም ካህናትን ነብያትን ድማ ነቶም መሳፍንትን ንዂሉ እቲ ህዝብን፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ነዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምቲ በእዛንኩም ዝሰማዕኩዎ፡ ተነብዩላ እዩ እሞ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ተዛረብዎም።
12 ኤርምያስ ድማ ንዂሎም መሳፍንትን ንዂሉ እቲ ህዝብን፡ እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኩምዎ ዂሉ ቃላትሲ፡ እግዚኣብሄር እዩ ኽንበዮ ዝለአኸኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
13 እምበኣርሲ ኣኻይዳኹምን ግብርኹምን ኣሕሹ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ኣባኻትኩም እተዛረቦ መዓት ኪጥዐሰሉ እዩ።
14 ኣነስ እኔኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፡ ጽቡቕን ቅኑዕን ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩኒ።
15 ብሓቂ እግዚኣብሄር እዩ ዂለን እዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ኣእዛንኩም ክነግረን ዝለኣኸኒ እሞ፡ እንተ ቐተልኩምኒ፡ ንጹህ ደም ኣብ ርእስኹምን ኣብዛ ኸተማ እዚኣን ኣብቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም እተውርዱ ኣርጊጽኩም ፍለጡ።
16 ሽዑ እቶም መሳፍንትን ኲሉ እቲ ህዝብን ነቶም ካህናትን ነብያትን፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እተዛረበና እሞ፡ ሞት ኣይግብኦን እዩ፡ በልዎም።
17 ካብቶም ሽማግሌታት እታ ሃገር ከኣ ተንሲኦም ንዂሉ እቲ ኣኼባ ህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎ፡
18 ሚካ ሞራሽታይ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ የሩሳሌም ኲምራ እምኒ ኽትከውን፡ እቲ ደብሪ መቕደስ ከኣ ኲርባ ዱር ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኢሉ ተነብዩ ንዂሉ ህዝቢ ይሁዳ ነገሮ።
19 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኲሎም ይሁዳንዶ ኣቕቲሎምዎ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ፈሪሁዶ ኣይኰነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ፡ እግዚኣብሄርሲ እቲ ጠሊቑሎም ዝነበረ መዓትዶ ኣይተጣዕሰሉን፡ ንሕና ኸኣ ከምኡ ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።
20 ሓደ ብስም እግዚኣብሄር እተነበየ ሰብኣይ፡ ኡርያ፡ ወዲ ሸማዕያ ብዓል ቂርያት – የሪዓም፡ ነበረ። ንሱ ኸኣ ከም ኲለን ቃላት ኤርምያስ ገይሩ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዛ ሃገር እዚኣን ተነበየለን።
21 ንጉስ ዮኣቂምን ኲሎም ጀጋኑኡ ኲሎም መሳፍንቱን ቃላቱ ምስ ሰምዑ፡ እቲ ንጉስ ኪቐትሎ ደለየ። ኡርያ ምስ ሰምዖ ግና፡ ፈርሄ፡ ሀዲሙ ኸኣ ናብ ግብጺ ኸደ።
22 ሽዑ ንጉስ ዮኣቂም ናብ ግብጺ ሰባት ለኣኸ። ንኤልናታን ወዲ ኣክቦር፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ሰባት ገይሩ ናብ ግብጺ ለኣኾ፡፡
23 ንሳቶም ድማ ንኡርያ ኻብ ግብጺ ኣውጽእዎ፡ ናብ ንጉስ ዮኣቂም ከኣ ኣምጽእዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ወቕዖ፡ ሬሳኡውን ኣብቲ መቓብር ማንም ህዝቢ ደርበዮ።
24 ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ኢሎም ኣብ ኢድ እቲ ህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎ ግና፡ ኢድ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ምስኡ ነበረት።

 

1 ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ኸምዚ ዚብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
2 እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ መእሰርን ኣርዑትን ንኣኻ ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።
3 ንእኡ ኸኣ ናብ ንጉስ ኤዶምን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶንን በቶም ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ልኡኻት ጌርካ ስደዶ።
4 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢሎም ንጐይተቶም ኪነግርዎም ኣዝዞም፡ ንጐይተትኩም ከምዚ በልዎም፡
5 ኣነ እየ፡ በቲ ዓብዪ ስልጣነይን በታ ዝርግሕቲ ቕልጽመይን ገይረ፡ ንምድርን ነቶም ኣብ ዝባን ምድሪ ዚነብሩ ሰብን እንስሳን ዝገበርኩ፡ ቅኑዕ ኰይኑ ንዝተራእየኒ ድማ እየ ዝህባ።
6 እምበኣርሲ ዂለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ኢድ ግዙኤይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን፡ እንስሳ መሮርውን ኪግዝእዎ ሂበዮ እየ።
7 ኲሎም ህዝብታት ከኣ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ኪግዝእዎ እዮም። እዚ ድማ፡ ጊዜ ሃገሩ ኽሳዕ ዚበጽሕ እዩ። ሽዑ ብዙሓት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ግዙእ ኪገብርዎ እዮም።
8 ኪኸውን ድማ እዩ። እቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ፡ ክሳዱ ኸኣ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ዘየብል ህዝብን መንግስትን፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣነ ብኢዱ ገይረ ኽሳዕ ዘጥፍኦ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክቐጽዖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9-10 ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ክትጠፍኡንሲ፡ ካብ ሃገርኩም ኬርሕቑኹም ኢሎም እዮም ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም፡ ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትኩምን ዚፈልጡልኩምን ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም።
11 ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሳዱ ለጠቕ ዜብልን ዚግዚኦን ህዝቢ ግና ኣብ ሃገሩ ኽሐድጎ እየ፡ ኪሐርሳን ኣብኣ ኺነብርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ከም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ፡ ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ኣብሉ፡ ንእኡን ንህዝቡን ከኣ ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ነገርክዎ።
13 ስለምንታይ ኢኹም፡ ንስኻን ህዝብኻን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ንንጉስ ባቢሎን ዘይተገዝኤ ህዝቢ እተዛረቦ ዄንኩም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን እትሞቱ?
14 እቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትሲ:ሓሶት እዮም ዚንበይልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ።
15 ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፡ ንስኻትኩምን እቶም ዚንበዩልኩም ነብያትን ድማ ክትጠፍኡስ፡ ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነ ኣይለአኽክዎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16 ንኻህናትን ንዂሉ እዚ ህዝቢ እዝን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢለ ኸኣ ተዛረብኩ፡ እንሆ፡ እቲ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ሕጂ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ኪምለስ እዩ፡ ኢሎም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትኩምሲ፡ ሓሶት እዩ ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ።
17 ኣይትስምዕዎም። ብህይወት ክትነብሩስ፡ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ ትዖኑ፡
18 ነብያት እንተ ዀይኖም፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ደኣ ኣልይዎምሲ፡ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይለምኑ።
19-20 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንዂላቶም ጭዋታት ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ኪማርኾም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ባቢሎን ዘይወስዶ ኣዕኑድን ባሕርን መናብርን ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፉ ዘሎ ዂሉ ኣቓሑን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡
21 እምበኣርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑስ እግዚኣብሄር፡ ጎይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
22 ናብ ባቢሎን ኪውሰድ፡ ክሳዕ ኣነ ዝዝክሮ መዓልቲ ከኣ ኣብኡ ኽጸንሕ እዩ፡ ናብዚ ስፍራ እዚውን ከውጽኦን ክመልሶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

1 ኰነ ድማ፡ በታ ዓመት እቲኣ ብመጀመርታ መንግስቱ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ኣብ ሓምሳይ ወርሒ፡ ሃናንያ፡ ወዲ ነብዪ ዓዙር ብዓል ጊብኦን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኲሉ ህዝብን ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡
2 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ፡
3 ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብዛ ስፍራ እዚኣ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ዂሉ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዘን ክልተ ዓመት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልሶ እየ።
4 ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፡ ንኢኮንያ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንዂላቶም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
5 ሽዑ ነብዪ ኤርምያስ ንነብዪ ሃናንያ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቈይሙ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን መለሰሉ።
6 ነብዪ ኤርምያስ ድማ በለ፡ ኣሜን። እግዚኣብሄር ይግበሮኸ። እቲ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄርን ኲላቶም ምሩኻትን ካብ ባቢሎን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኺምለሱስ፡ ነቲ እተነቤኻዮ ቓላትካ እግዚኣብሄር የጽንዓዮ።
7 ግናኸ ነቲ ኣብ እዝንኻን ኣብ እዝኒ ዂሉ እዚ ህዝቢ እዝን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ፡
8 እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ኣብ ብዙሕ ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ብናይ ውግእን ብናይ መዓትን ብናይ ፌራን ተነበዩ።
9 እቲ ሰላም ዚንበ ነብዪ፡ ቃል እቲ ነብዪ እቲ ምስ ተፈጸመ እዩ ብሓቂ ነቲ ነብዪ እቲ እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኾ ዚፍለጥ።
10 ሽዑ ነብዪ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ሰባበሮ።
11 ሃናንያ ኸኣ፡ ከምዚ ገይረ ነርዑት ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብ ክሳድ ኲላቶም ህዝብታት ኣብዘን ክልተ ዓመት ክሰብሮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ህዝቢ ተዛረበ። ነብዪ ኤርምያስ ከኣ መገዱ ኸደ።
12 ነብዪ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፡ ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
13 ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ፡ ኣርዑት ዕጨይቲ ሰበርካ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ኣርዑት ሓጺን ክትገብር ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14 ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ምእንቲ ኺግዝኡስ፡ ኪግዝኡ ኸኣ እዮም፡ እንስሳ መሮር እኳ ሂበዮ አሎኹ እሞ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድ ኲሎም እዞም ህዝብታት እዚኦም ኣእትየ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኢልካ በሎ።
15-16 ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ንነብዪ ሃናንያ፡ ሃናንያ፡ ስማዕ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፡ ንስኻ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ሓሶት ክውከል ኣስሐትካዮ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ካብ ዝባን ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዕልወት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ፡ ኢሉ ነገሮ።
17 ሽዑ ነብዪ ሃናንያ በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ሳብዓይ ወርሒ ሞተ።

 

1-2 ንጉስ ኢኮንያን እታ ንግስቲ ኣዲኡን እቶም ሰብ መዋእልን መሳፍንቲ ይሁዳን የሩሳሌምን እቶም ጸረብትን ሓጓዶን ካብ የሩሳሌም ምስ ወጹ፡ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝተረፉ ጭዋታትን ነቶም ካህናትን ነብያትን ንዂሉ እቲ ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝማረኾ ህዝብን፡ ነብዪ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ዝሰደደሎም ቃላት ደብዳበ እዚኣተን እየን።
3 እታ ደብዳበ ብኢድ እቶም ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ፡ ወዲ ሻፋንን ገማርያ ወዲ ህልቅያን እተላእከት ከምዚ እትብል እያ፡
4 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንዂላቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዘማረኽክዎም ምሩኻት ከምዚ ይብል ኣሎ፡
5 ቤት ስርሑ እሞ ንበሩላ፡ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ።
6 ኣንስቲ ኣእትዉ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ከኣ ኣተኣታትዉ፡ ንሳቶም ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ይውለዱ። ኣብቲ ዘሎኹምዎ ብዝሑ እምበር፡ ኣይትውሐዱ።
7 ደሓን እታ ኣነ ናብኣ ዘማረኽኩኹም ከተማ ድለዩ። ብደሓና ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ስሊኣ ንእግዚኣብሄር ለምኑ።
8-9 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ ነብያትን ጠንቈልትን ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ፡ ኣነ ኸኣ ኣይለኣኽክዎምን እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትጠበሩ፡ በቲ እተሕልምዎ ሕልምኹምውን ኣይትተአመኑ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
10 እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ንባቢሎን ሰብዓ ዓመት ምስ መልአ፡ ክዝክረኩም እየ እሞ፡ ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ ከም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ።
11 ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ።
13 ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።
14 ክርከበልኩም፡ ንምምራኽኩም ክመልሶ፡ ካብ ኲሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጒኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ። ናብቲ ኻብኡ ዘማረኽኩኹም ስፍራውን ክመልሰኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15 እግዚኣብሄርሲ ኣብ ባቢሎን ነብያት ኣተንሲኡልና ኣሎ፡ ትብሉ ኣሎኹም።
16 እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝፋን ዳዊት እተቐመጠ ንጉስን ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ዘይተማረኹ ኣሕዋትኩም፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚነብር ዘሎ ዂሉ ህዝብን ከምዚ ይብል ኣሎ፡
17 እንሆ፡ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ክሰደሎም እየ፡ ከምቲ ኻብ ምኽፋኡ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
18 ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክሰጎም እየ፡ ኣብ ኲሎም መንግስታት ምድሪ ኸኣ ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኲሎም እቶም ኣነ ናባታቶም ዝሰጐጒክዎም ህዝብታት ድማ ንመራገምን ንመስደመምን ንመላገጽን ንመጻረፍን ኪዀኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
19 እዚውን ነተን ኣንገንጊሄ እናለኣኽክዎም፡ ብግዙኣተይ ነብያት ገይረ ዝለኣኽወን ቃላተይ ምስማዕ ስለ ዝአበዩ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
20 እምበኣርሲ ኣቱም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
21 ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ ኣሃብ ወዲ ቆላያን ብዛዕባ ጼድቅያስ ወዲ መኣስያን እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ክምጥዎም እየ፡ ንሱውን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ኪቐትሎም እዩ።
22 ካባታቶም ከኣ ኣብቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዂላቶም ምሩኻት ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ጼድቅያስን ኣሃብን ይግበርካ፡ ዚብል መራገሚ ኺወጽእ እዩ።
23 ኣብ እስራኤል ዕሽነት ስለ ዝገበሩ፡ ኣብ ኣንስቲ ብጾቶም ስለ ዝዘመዉ፡ ኣነ ዘይአዘዝክዎም ቃላት ሓሶት ብስመይ ስለ እተዛረቡ እዩ። ነዚ ኸኣ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
24 ንሸማዕያ ብዓል ኔሕላም ከምዚ ኢልካ ኽትነግሮ ኢኻ፡
25 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ደብዳበ ብስምካ ጽሒፍካ፡ ንዂሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ጸፋንያ፡ ወዲ መኣኣስያ እቲ ኻህንን ናብ ኲላቶም ካህናትን ከምዚ ኢልካ ሰደድካ፡
26 እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለቓ ዄንካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ዘው ዝበሎ እሞ ዚንበ ሰብሲ፡ መቚሕ እግርን መንቈርን ክትመልሰሉ ኢሉ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኻህን ይሆያዳ ካህን ገይሩ ሸመካ።
27-28 እምበኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ነቲ ዚንበየልኩም ዘሎ ንኣና ኸኣ፡ ነዊሕ ጊዜ ተሪፉ ኣሎ፡ ኣባይቲ ስርሑ እሞ ንበሩሉ፡ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ፡ ኢሉ ናብ ባቢሎን ዝለኣኸና፡ ኤርምያስ ብዓል ኣናቶት ዘይገናሕካዮ፡
29 ጸፋንያ እቲ ካህን ከኣ ነዛ ደብዳበ እዚኣኣ ኣብ እዝኒ ነብዪ ኤርምያስ ኣንበባ።
30 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ኤርምያስ መጸ፡
31 ናብ ኲሎም እቶም ምሩኻት ልኢኽካ በሎም፡ ብዛዕባ ሸማዕያ ብዓል ኔሕላም እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሸማዕያ ኣነ ዘይለኣኽክዎስ፡ ስለ እተነበየልኩም ኣብ ሓሶት ከኣ ስለ ዘወከልኩም፡
32 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዕልወት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሸማዕያ ብዓል ኔሕላምን ንዘርኡን ክቐጽዖም እየ። ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ዚነብር ሓደ እኳ ኣይኪህልዎን እዩ፡ እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይኪርእን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዚብል እዩ፡
2 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነዘን ዝነገርኩኻ ቓላት ኲለን ኣብ መጽሓፍ ጽሐፈን፡ ይብል ኣሎ።
3 እንሆ፡ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብታ ነቦታቶም ዝሀብክዋ ሃገር ከኣ ክመልሶም እየ፡ ንሳቶምውን ኪርስተይዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4 እተን እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚኣተን እየን፡
5 ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ናይ ደሓን ዘይኰነስ ድምጺ ረዓድን ስምባድን ሰማዕና እሞ፡
6 ተባዕታይ ዚወልድ እንተ ዀነስ፡ ጠይቑን ተምልከቱን። ስለምንታይ ደኣ እየ ዂሎም እቶም ሰብኡት፡ ከምታ ንምውላድ እትጽዕር ሰበይቲ ዀይኖም፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕቚኦም ገይሮም ኲሉ ገጽውን ተዳሂሉ ዝርኢ ዘለኹ።
7 ወዮ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ዓባይ እያ እሞ፡ ዚመዓራረያ የልቦን። ንያእቆብ ጊዜ ጸበባኡ እዩ፡ ግናኸ ካብኡ ኺድሕን እዩ።
8-9 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽሰብር፡ መእሰሪታትካ ድማ ክበትኽ እየ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ኪግዝኡ እዮም እምበር፡ ድሕሪ እዝስ ጓኖት ኣይኪገዝእዎን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10 እምበኣርሲ እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፡ ንዘርእኻ ድማ ካብቲ እተማረኹሉ ሃገር ከድሕን እየ። ያእቆብ ኪምለስ እዩ። ብዕረፍትን ህድኣትን ኪትነብር እዩ፡ ዜፍርሆ ኸኣ የልቦን እሞ፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ እስራኤልውን ኣይትሰምብድ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11 ምእንቲ ኸድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ፡ ነቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ዂላቶም ህዝብታት ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝግስጸካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ ምንም ኣይሐድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መውቃዕትኺ ዘይሐዊ፡ ቊስልኺ ድማ ብርቱዕ እዩ።
13 ክትስፈፊ ኢሉ፡ ነገርኪ ዚጣበቐልኪ የልቦን፡ ዜሕዊ ፈውሲ ከኣ የብልክን።
14 ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺ፡ ሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ብናይ ጸላኢ መውቃዕቲ፡ ብናይ ጨካን መቕጻዕቲ ገይረ ወቒዔኪ እየ እሞ፡ ኲሎም ፈተውትኺ ረሲዖምኺ፡ ግድኺ እኳ የብሎምን።
15 ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መውቃዕትኺ ኡይ እትብሊ ዘሎኺ? ቃንዛኽስ ዘይሐዊ እዩ። ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺ፡ ሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ እዚ ገበርኩኺ።
16 እቶም ዚበልዑኺውን ኪብልዑ፡ ተጻረርትኺ ዘበሉ ዂላቶም ኪማረኹ፡ ኲሎም ገፈፍትኺ ኺግፈፉ እዮም፡ ንዂሎም ዘማቶኺ ድማ ንዘመተ ኽምጥዎም እየ።
17 እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ንድንኳናት ያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልስ፡ ነቲ ዚነብረሉ ስፍራታት ከኣ ክድንግጸሉ እየ። እታ ከተማ ድማ ኣብቲ ዂርባታታ ኽትስራሕ እያ፡ እቲ ኣዳራሽ ከኣ ከምቲ ስርዓቱ መሳፍሮ ኪኸውን እዩ።
19 ካብኦም ድማ ምስጋናን ድምጺ ሕጉሳትን ኪወጽእ እዩ። ከብዝሖም እየ እሞ ኣይኪውሕዱን፡ ከኽብሮም እየ እሞ ኣይኪዋረዱን እዮም።
20 ደቆም ከም ቀደም ኪዀኑ እዮም፡ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ ክትቀውም እያ። ኣነውን ንዂሎም ጠቓዕቶም ክቐጽዖም እየ።
21 መስፍኖም ካባታቶም ኪኸውን፡ ገዛኢኦም ከኣ ካብ ማእከሎም ኪወጽእ እዩ፡ መን እሞ እዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብ፡ ኣነ ደኣ እየ ዘቕርቦ፡ ንሱውን ኪቐርበኒ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
22 ንስኻትኩም ህዝቢ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽ ክዀነኩም እየ።
23 እንሆ፡ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ነድሩ ይወጽእ፡ እቲ ህቦብላ ኣብ ርእሲ ረሲኣን ተወንጪፉ ይወርድ።
24 እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመን ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም።

 

1 በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ኣምላኽ ኲላቶም ዓሌት እስራኤል ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
2 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጸጋ ረኸበ። ንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ ኣሎኹ።
3 እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ።
4 ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሀንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪ፡ ብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ።
5 ከም ብሓድሽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ኣኽራን ሰማርያ ክትተኽሊ ኢኺ፡ እቶም ተኸልቲ ኺተኽሉ፡ ፍሪኡ ኸኣ ኪአርይዎ እዮም።
6 እቶም ሓለውቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ንዑናይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ጽዮን ንደይብ፡ ኢሎም ዚጽውዑላ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።
7 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንያእቆብ ብሓጐስ ድረፉሉ፡ በቲ ርእሲ ህዝብታት እልል በሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣመስግኑ እሞ፡ ጐይታይ፡ ንህዝብኻ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል፡ ኣድሕኖ፡ በሉ።
8 እንሆ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ከምጽኦም፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ክእክቦም እየ። ምስኦም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን ቅልውላው ሕርሲ እተታሕዘትን ሐቢሮም፡ ዓብዪ ጉባኤ ዀይኖም ናብዚ ኺምለሱ እዮም።
9 እናበኸዩ ኺመጹ እዮም፡ እናጸለዩ ኽመርሖም እየ። ንእስራኤል ኣቦ ዀይነ እየ፡ ኤፍሬም ድማ በዂሪ ወደይ እዩ እሞ፡ ብዘይዕንቀፉላ ዕርይቲ መገዲ ናብ ወሓዚ ማይ ክወስዶም እየ።
10 ኣቱም ህዝብታት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከኣ፡ እቲ ንእስራኤል ዝበተኖ ኺእክቦ፡ ከም ጓሳ ንመጓሲኡ ድማ ኪሕልዎ እዩ፡ ኢልኩም ኣውርዩለን።
11 እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዚሕይል ከኣ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፡
12 ንሳቶም ኪመጹ፡ ኣብ ከረን ጽዮን ከኣ እልል ኪብሉ እዮም። ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፡ ናብ እኽልን ወይንን፡ ናብ ዘይትን ናብቲ ፍረ ኣባጊዕን ኣሓን ሀዲዶም ኪእክቡ እዮም። ነፍሶም ድማ ከምቲ ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፡ ድሕሪ እዚውን ኣይኪቕሕትዉን እዮም።
13 ሽዑ እታ ድንግል ብጓይላ ባህ ኪብላ፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን ድማ ሐቢሮም ኪሕጐሱ እዮም። ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክምልሶን ከጸናንዖምን እየ፡ ድሕሪ ጓሂኦምውን ባህ ከብሎም እየ።
14 ንነፍሲ ኻህናት ብስብሒ ኽጥልሎ እየ፡ ህዝበይ ከኣ ብበረኸተይ ኪጸግብ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን መሪር ብኽያትን። ራሄል ንደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ስለ ደቃ ምድባስ ኣበየት።
16 ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግብርኺ ዓስቡ ኺረክብ እዩ፡ ካብ ሃገር ጸላኢውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ድምጽኺ ኻብ ዋይዋይታ ዓይንኺ ድማ ካብ ንብዓት ዕገቲ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
17 ንዳሕራይኪ ኸኣ ተስፋ ኣሎኪ፡ ደቅኺውን ናብ ዶቦም ኪምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር።
18 ኤፍሬም ከኣ፡ ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ ጌርካ ቐጻዕካኒ ተቐጻዕኩ ድማ፡ ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እሞ፡ ምለሰኒ ኽምለስ ከኣ እየ፡ ኢሉ ኺግዕር ከሎ ኣጸቢቐ ሰማዕክዎ።
19 ምስ ተመለስኩ፡ ተጠዐስኩ ምስ ተፈለጠኒ ኸኣ፡ ሰለፈይ ወቓዕኩ፡ ጸርፊ ንእስነተይ ጾይረ እየ እሞ፡ ሐፈርኩን ሐነኽኩን።
20 ኤፍሬምዶ ፍቁር ወደይ፡ እቲ ምጭዊ ውሉደይ ኣይኰነን?ብዂራ እኳ እንተ ተዛረብክዎ፡ መመሊሰ እዝክሮ ኣሎኹ እሞ፡ ብምኽንያቱ ኣምዑተይ ተበጢሱ እዩ፡ ኣነየውን ብሓቂ ኽምሕሮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
21 መሓበርታ መገዲ ኣቑሚ፡ መፈለጥታታት ከኣ ትኸሊ፡ ልብኺ ናብታ ኼድክላ ዝነበርኪ ጐደናን መገድን ኣቕንዒ። እቲ ድንግል እስራኤል፡ ተመለሲ፡ ናብዘን ከተማታትኪ ተመለሲ።
22 እቲ ዓወለኛ ጓል፡ ክሳዕ መኣዝ ዙንዙን ክትብሊ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።
23 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ምርኮ ምስ ኣምለስክዎም፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ከተማታትን፡ እቲ መሳፍሮ ጽድቂ፡ እቲ ኸረን ቅድስና፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ፡ ኢሎም እዚ ቓል እዚ ኸም ብሓድሽ ኪብሉ እዮም።
24-25 ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያ፡ ንዝቓሕተወት ዘበለት ነፍሲ ድማ ከጽግባ እየ እሞ፡ ይሁዳን ኲለን ከተማታታን ሓረስቶትን እቶም ምስ መጓሴታት ዚጒዕዙን ሐቢሮም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።
26 ድሕርዚ ተበራበርኩ እሞ ጠመትኩ፡ ድቃሰይ ከኣ ጠዐመኒ።
27 እንሆ፡ ንቤት እስራኤልን ንቤት ይሁዳን ብዘርኢ ሰብን ብዘርኢ እንስሳን ዝዘርኣለን መዓልታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
28 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ኣነ ንምምንቋስን ንምዕናውን ንምጒባእን ንምጥፋእን ንምስቓይን ኣብ ርእሲኦም ዝተጋህኩ፡ ከምኡ ድማ ንምህናጽን ንምትካልን ኣብ ርእሲኦም ክተግህ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
29 በተን መዓልትታት እቲኣተን ከም ብሓድሽ፡ እቶም ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ፡ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸወ፡ ኣይኪብሉን እዮም።
30 ነፍሲ ወከፍሲ ብኣበሳኡ ደኣ ይመውት፡ እቲ መጺጽ ዘቢብ ዝበልዔ ኸኣ ኣስናኑ ይዀዂዎ።
31 እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
32 ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
33 ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
34 ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ፡ ንእግዚኣብሄር ፍለጦ፡ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
35 እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ፡ ሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ክኸውን ዘቘመ፡ እቲ ንባሕሪውን ማዕበሉ ኺሀምም ዘናወጸ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡
36 እዚ ሕጋጋት እዚ ኻብ ቅድመይ እንተ ተፍኤ፡ ሽዑ ኸኣ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ኪጠፍእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
37 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰማይ ኣብ ላዕሊ እንተ ተለክዔ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ታሕቲ እንተ ተለክዔ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ትሕቲ እንተ ተመርመረስ፡ ሽዑ ኣነውን ብሰሪ እቲ ዝገበርክዎ ዂሉ ንዂሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
38 እንሆ፡ እተን፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብ ግምቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን ንእግዚኣብሄር እትህነጸለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
39 እቲ ገመድ መዓቀኒ ኸኣ ክሳዕ ኲድዂዶ ጋሬብ ትኽ ኢሉ ኺዝርጋሕ እዩ፡ ናብ ጎኣት ኣቢሉውን ኪምለስ እዩ።
40 ኲሉ እቲ ለሰ ሬሳታትን ሓሙዂስትን ኲሉ እቲ ግርሁ ኽሳዕ ርባ ቌድሮንን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ክሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ። ንሓዋሩ ከቶ ኣይኪበርስን ኣይኪፈርስንውን እዩ።

 

1 እቲ ኣብ መበል ዓስረይቲ ዓመት ግዝኣቱ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ንነቡካድነጻር ከኣ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ግዝኣቱ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጾ ቓል እዚ እዩ።
2 ሽዑ ድማ ጭፍራ ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፡ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ ወገፊኡ ተኣሲሩ ነበረ።
3 ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኣሲርዎ ነበረ፡ ስለምንታይ ተነቤኻን በልካን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ፡
4 ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኪወሀብ እዩ፡ ኣፍ ንኣፍ ኪዛረቦ እዩ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዓይኑ ኺርእያ እየን እምበር፡ ካብ ኢድ ከለዳውያን ኣይኬምልጥን እዩ።
5 ንጼድቅያስ ድማ ናብ ባቢሎን ኪማርኾ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኺጸንሕ እዩ፡ ምስ ከለዳውያን እንተ ተዋጋእኩም ኣይኪቐንዐኩምን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6 ኤርምያስ ከኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ በለ፡
7 እንሆ፡ ሃናምኤል ወዲ ሻሉም ሓዉ ኣቦኻ፡ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ፡ መሰል ምብጃው አሎካ እሞ፡ ተሻየጣ፡ ኪብለካ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።
8 ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ድማ ከም ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ መጺኡ ነታ ኣብ ኣናኖት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ኰታ ተሻየጣ፡ መሰል ርስቲ ኣሎካ፡ ምብጃው ድማ ግቡእካ እዩ እሞ፡ ንኣኻ ተሻየጣ፡ በለኒ። ሽዑ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ምዃኑ ኣስተውዐልኩ።
9 ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከኣ ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ተሻየጥክዋ እሞ ነቲ ገንዘብ ዓሰርተው ሾብዓተ ሲቃል ብሩር መዘንኩሉ።
10 ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎ፡ ምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ።
11 ነታ መጽሓፍ መሸጣ፡ ነታ ኸም ሕግን ውዑልን ኰይና እተሐትመትን ነታ እተቐልዔትን ወሲደ፡
12 እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ፡ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህስያ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መጽሓፍ መሸጣ እተጻሕፉ ምስክርን ኣብ ቅድሚ ዂሎም እቶም ኣብ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሀብክዎ።
13-15 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ኪሻየጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እዘን ጽሑፋት እዚኤን፡ እታ ሕትምቲ መጽሓፍ መሸጣን እታ ቕልዕቲ መጽሓፍን ወሲድካ፡ ብዙሕ መዓልትታት ምእንቲ ኺዕቈርሲ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣንብሮ:ይብል ኣሎ፡ ኢለ ንባሩኽ ኣብ ቅድሚኦም አዘዝክዎ።
16 እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ምስ ሀብክዎ ኸኣ፡ ከምዚ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ፡
17 ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ሰማይን ምድርን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የልቦን።
18 ነእላፋት ምሕረት እትገብር፡ ኣበሳ ኣቦታት ድማ ብድሕሪኦም ናብ ሕቚፊ ውሉዶም እትመልስ ኢኻ። ዓብዪ ስልጡን ኣምላኽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።
19 ንስኻ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዶምን ከከም ፍረ ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም፡ ብምኽሪ ዓብዪ ብግብሪ ኸኣ ስልጡን ኢኻ። ኣዒንትኻ ድማ ኣብ ኲለን መገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን።
20 ንስኻ ትእምርትን መንክራትን ኣብ ሃገር ግብጽን ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ሰብን ገበርካ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ኣስሜኻ።
21 ንህዝብኻ እስራኤል ብትእምርትን መንክራትን ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ብዓብዪ ረዓድን ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጻእካዮ።
22 እታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ነቦታቶም ክትህባ ዝመሐልካሎም ሃገር ከኣ ሀብካዮም።
23 ንሳቶም ድማ አተዉ ሐዝዋ ኸኣ፡ ግናኸ ንድምጽኻ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ኺገብርዎ ዝአዘዝካዮም ኲሉ ኣይገብርዎን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዂሉ መዓት እዚ ኣውረድካሎም።
24 እንሆ ነታ ኸተማ ኺሕዝዋ መፍረስ ዕርዲ ናባኣ ቐረበ። እታ ኸተማ ኸኣ ብሰሪ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ኣብ ኢድ እቶም ዚዋግእዋ ከለዳውያን ተዋህበት። እቲ ዝበልካዮ ዀነ፡ እንሆ ድማ፡ ትርእዮ ኣሎኻ።
25 ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ተዋሂባ ኸላስ፡ ንስኻ፡ ግራት ብገንዘብ ተሻየጥ ምስክር ከኣ ሐዘሉ፡ በልካኒ።
26-27 ሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ? ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።
28 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻርን ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ።
29 እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዚወግኡ ከለዳውያን ከኣ ኪመጹ፡ ነታ ኸተማ ድማ ኪትኲስዋ እዮም፡ ምስ ናይ እተን ኣብ ዝባን ኣናሕሰን፡ ኬቘጥዑኒ ኢሎም፡ ንበዓል ዝዐጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዐዉለን ኣባይቲ ኼንድድዋ እዮም።
30 ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝዀነ ጥራይ ገበሩ እሞ፡ ደቂ እስራኤልሲ ብተግባር ኢዶም ኲሉ ጊዜ ኣቘጥዑኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
31-32 እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብታ እተሰርሓትላ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ብሰሪ እቲ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ምስ ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ ኬቘጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ እከይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ከርሕቓስ፡ ቊጥዓይን ነድረይን ኣለዓዐለትለይ።
33 እንግድዓኦም እምበር፡ ገጾም ኣይመለሱለይን። ኣንጊሄ እንተ መሀርክዎም፡ ምንም እኳ እንተ መሀርክዎም፡ ተግሳጽ ንምቕባል ኣይሰምዑን።
34 ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክስዋስ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣንበሩ።
35 ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ንሞሌኽ ብሓዊ ኼሕልፍዎም፡ ነቲ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ በረኽቲ በዓል ሰርሑ። ንይሁዳ ኼሕጥኡ፡ ከምዚ ዘመሰለ ጽያፍ ኪገብሩ ኢለ፡ ኣነ ኣይአዘዝክዎን ከቶ ኣየስተንተንክዎን።
36 ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እዛ ንስኻትኩም፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ተወፍያ፡ እትብልዋ ዘሎኹም ከተማስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
37 እንሆ፡ ካብቲ ብዂራይን ብቚጥዓይን ብዓብዪ ነድርን ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ሃገር ክእክቦም እየ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ክመልሶም፡ ብደሓንውን ከንብሮም እየ።
38 ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
39 ብደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ኪኸውንሲ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ፡ ሓደ ልብን ሓደ መገድን ክህቦም እየ።
40 ንኣታቶም ሰናይ ካብ ምግባር ከይዘሓጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክአትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ።
41 ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎም እዩ። ብዂሉ ልበይን ብዂሉ ነፍሰይን ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።
42 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ዂሉ እዚ ዓብዪ ሕሰም ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘውረድክዎ፡ ከምኡ ድማ ኲሉ እቲ ዘተስፈኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ።
43 ኣብታ ንስኻትኩም፡ ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላ፡ ንከለዳውያን እተዋህበት ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር፡ ኣብኣ ግርሁ ኺሻየጡ እዮም።
44 ኣነ ንምሩኻቶም ከምልሰሎም እየ እሞ፡ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ደቡብን ግርሁ ብገንዘብ ኪሽየጥ እዩ፡ ናይ መሸጣ ውዑል ከኣ ኣብ ቅድሚ ምስክር ተጽሒፉ ኺሕተም እዩ።

 

1 ኤርምያስ ገና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተአሲሩ ኸሎ፡ ካልኣይ ሳዕ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ፡
2 እቲ ዚገብሮ ዘሎ እግዚኣብሄር ኬጽንዕ ዜዳሉ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዝስሙ ኸምዚ ይብል ኣሎ።
3 ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ።
4 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ብመፍረስ ዕርድን ብሰይፍን ዚፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ይብል ኣሎ፡
5 ምስ ከለዳውያን ኪዋግኡ መጺኦም፡ ነታ ብሰሪ ዂሉ እከዮም ገጸይ ዝኸወልኩላ ኸተማ ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቚጥዓይን ብነድረይን ዝወቓዕክዎም ሰብ ኪመልእዋ እዮም።
6 እንሆ፡ ኣነ ኽሰፍፋን ክፍውሳን እየ። ኣነ ኸሕውዮም፡ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።
7 ንምርኮ ይሁዳን ንምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፡ ከም ቀደሞም ከኣ ክሀንጾም እየ።
8 ኣነ ኻብ ኲሉ እቲ ዝበደሉኒ ኣበሳኦም ከጽርዮም እየ፡ ነቲ ዝበደሉንን ብኡኡ ኸኣ ካባይ ዝዐለዉሉን ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም እየ።
9 ንሳ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ነቲ ዝገብረሎም ዘሎኹ ዂሉ ሰናይ ዚሰምዑ ዂላቶም ህዝብታት ምድሪ ንስም ደስታን ንምስጋናን ንኽብርን ክትኰኑኒ እያ። ብምኽንያት እቲ ኣነ ዝህባ ዂሉ ሰናይን ኲሉ ሰላምን ድማ ኪፈርሁን ራዕራዕ ኪብሉን እዮም።
10-11 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምርኮ እታ ሃገር መሊሰ ኸም ቀደማ ኽገብራ እየ እሞ፡ ኣብዚ ንስኻትኩም፡ ሰብን እንስሳን ዜብሉ ምድረ በዳ እትብልዎ ዘሎኹም ስፍራን ኣብዘን ሰብን ኣብኤን ዚነብርን እንስሳን ዜብለን ዝባደማ ኸተማታት ይሁዳን ኣደባባያት የሩሳሌምን ከም ብሓድሽ ድምጺ ሓጐስን ድምጺ እልልታን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ድምጺ እቶም መስዋእቲ ምስጋና ናብ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት አመስግንዎ፡ ዚብሉ ኺስማዕ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዜብላ ዝባደመት ስፍራን ኣብ ኲለን ከተማታትን ከም ብሓድሽ መሕደሪ እቶም መጓሴታቶም ዜስፍሩ ጓሶት ኪኸውን እዩ።
13 ኣብ ዓድታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ደቡብን ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣኣብ ከተማታት ይሁዳን እተን መጓሴታት ከም ብሓድሽ ብትሕቲ ኢድ እቲ ቘጻሪኤን ኪሐልፋ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14 እንሆ፡ እቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ብዛዕባ ቤት ይሁዳን እተዛረብክዎ ጽቡቕ ቃል ዝፍጽመለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15 በተን መዓልትታት እትኤንን በቲ ዘመን እትን ንዳዊት ጨንፈር ጽድቂ ኸጠጥዓሉ እየ። ንሱውን ኣብ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር እዩ።
16 በተን መዖኣልትታት እቲኤን ይሁዳ ኺድሕን እዩ፡ የሩሳሌም ከኣ ብደሓን ክትነብር እያ። እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ፡ ተባሂላ ኸኣ ክትስመ እያ።
17 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ዳዊት ኣብ ዝፋን ቤት እስራኤል ዚቕመጥ ሰብኣይ ከቶ ኣይኪስአንን እዩ።
18 ካብ ሌዋውያን ካህናት ኲሉ መዓልቲ መስዋእቲ ምሕራር ዚስውእን መስዋእቲ ብልዒ ዜትክኽን መስዋእቲ ሕሩድ ዜቕርብን ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ከቶ ኣይኪስአንን እዩ።
19 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጾ።
20 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንኺዳነይ ምስ መዓልትን ንኺዳነይ ምስ ለይትን፡ ለይትን መዓልትን በብጊዚኡ ኸይከውን፡ ከተፍርሱ እንተ ደኣ ተኻኢሉኩምሲ፡
21 ሽዑ ኸኣ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ውሉድ ከይርከብ፡ እቲ ምስ ዳዊት ባርያይ ዝአቶኽዎ ኺዳን ኪፈርስ እዩ፡ ከምኡውን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናት።
22 ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ኪፍቀድ፡ ሑጻ ባሕሪ ኸኣ ኪስፈር ዘይከኣል፡ ከምኡ ድማ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይን ዜገልግሉኒ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።
23 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
24 እዞም ህዝቢ እዚኦም፡ እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርብይዎም እዩ፡ እናበሉ ዚዝዛረብዎ ዘለዉስ ኣይትርእዮን ዲኻ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድሕርዚ ህዝቢ ኸም ዘይኰኑ ገይሮም ይንዕቆም አለዉ።
25 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪዳነይ ምስ መዓልትን ለይትን እንተ ዘይንጸዔ፡ ንሰማይን ንምድርን ስርዓት እንተ ዘይሐገግኩ፡ ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኻብ ዘርኡ ኸየተንስእስ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየ እሞ፡ ክምሕሮምውን እየ።
26 ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኻብ ዘርኡ ኸየተንስእስ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየ እሞ፡ ክምሕሮምውን እየ።

 

1-2 እቲ ፡ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኲሉ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዚግዝኡ ዂሎም መንግስትታት ምድርን ኲሎም ህዝብታትን ምስ የሩስሌምን ምስ ኲለን ከተማታታን ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡ ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ፡ እግዚኣህቤር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።
3 ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ተታሒዝካ፡ ናብ ኢዱ ኽትውፈ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዱ ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ኣዒንትኻ ነዒንቲ ንጉስ ባቢሎን ኪርእያ እየን፡ ኣፍ ንኣፍ ድማ ኪዛረበካ እዩ፡ ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።
4 ግናኸ፡ ኣታ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ፡ ብሰይፊ ኣይክትመውትን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ።
5 እዚ ቓል እዚ ኣነ እየ እተዛረብክዎ እሞ፡ ብሰላም ክትመውት ኢኻ፡ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት፡ ኣቦታትካ፡ ዝዐጠኑሎም፡ ከምኡ ኸኣ ኪዐጥኑልካ፡ ዋይ ጐይታየ፡ እናበሉ ድማ ኬልቅሱልካ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6-7 ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዂላተን ከተማታት ይሁዳን፡ ማለት ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዐሪደን ተሪፈን ዝነበራ ላኪሽን ኣዜቃን፡ ኪዋጋእ ከሎ፡ ሽዑ ነብዪ ኤርምያስ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ።
8 ንጉስ ጼድቅያስ ሓርነት ኪእውጅ ኢሉ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኺዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ።
9 እቲ ኺዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን፡ ነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡን፡ እብራውን እብራዊትን፡ ሓራ ኼውጽእ፡ ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ፡ ነቲ ሓዉ፡ ባርያ ኸይገብሮ ዚብል እዩ።
10 እቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን ነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡን ሓራ ኼውጽኡ ድሕርዚ ኸኣ ባሮት ከይገብርዎም ኪዳን ዝኣተዉ ዂሎም መሳፍንትን ኲሎም ህዝብን ተኣዘዙ፡ ተኣዘዙ ሓራውን ኣውጽእዎም።
11 ደሓር ግና መሊሶም፡ ነቶም ሓራ ኣውጺኦምዎም ዝነበሩ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከም ብሓድሽ ኣምለስዎም፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።
12 ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
13 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩላ መዓልቲ ምሳታቶም ኪዳን ኣቶኹ፡ በልክዎም ከኣ፡
14 ሾብዓተ ዓመት ምስ ተፈጸማ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ኣባኻ እተሸጠ እሞ ሹድሽተ ዓመት እተገዝአካ እብራዊ ሓውካ ካባኻ ሓራ ኣውጽኣዮ። ግናኸ ኣቦታትኩምሲ ኣይሰምዑንን በእዛኖምውን ጽን ኣይበሉን።
15 ንስኻትኩም ሎሚ ተመለስኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ሓራ ምውጻእ ብምእዋጁ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ድማ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቶኹም።
16 ግናኸ ከም ብሓድሽ ተመለስኩም፡ ንስመይ ድማ ኣርከስኩምዎ፡ ነቶም ሓራ ኣውጺእኩም ከም ድላዮም ይኺዱ ዝፈኖኹምዎም ነፍሲ ወከፍኩም ንተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከኣ ገዛእኩምዎም።
17 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኩምንን። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንሰይፍን ንፌራን ንጥሜትን ሓርነት እእውጀልኩም ኣሎኹ፡ ንዂሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኰኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ኣነ ነቶም ኪዳነይ ዘፍረሱ፡ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸኣ ሐሊፎም፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓላት ኪዳን ዘይሐለዉ ሰባት፡
19 ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሐለፉ መሳፍንቲ ይሁዳን መሳፍንቲ የሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፡
20 ነዚኣቶም ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ።
21 ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ ሰባትን ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሐቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
22 እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ። ንሳቶም ኪዋግእዋ፡ ኪሕዝዋ፡ ብሓዊ ድማ ኬንድድዋ እዮም። ነተን ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ምድረ በዳ ኽገብረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 እቲ ብዘመን ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዚብል እዩ፡
2 ናብ ቤት ሬካብ ኪድ እሞ ተዛረቦም፡ ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ናይ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኣእትዎም፡ ወይኒ ኺሰትዩውን ሀቦም።
3 ሽዑ ንያዘንያ፡ ወዲ ኤርምያስ፡ ወዲ ኻባጽንያን ነሕዋቱን ንዂሎም ደቁን ንዂሎም ቤት ሬካብን ወሰድክዎም፡
4 ናብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ፡ ወዲ ሻሉም ሓላው ደገ ዘኣላ ኽፍሊ ቤት፡ ደቂ ኻናን ወዲ ኢግዳሊያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣእቶኽዎም።
5 ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ቤት ሬካብ ከኣ ወይኒ ዝመልኣ ሰራሙን ዋናጩን ቀሪበ፡ ወይኒ ስተዩ፡ በልክዎም።
6-7 ንሳቶም ግና መለሱ፡ ዮናዳብ፡ ወዲ ሬካብ ኣቦና፡ ኣባይቲ ኣይትስርሑ፡ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ ኣይተጥርዩውን፡ ኣብታ ኣጋይስ ኴንኩም ሰፊሪኩምዋ ዘሎኹም ሃገርሲ፡ ዕድሜኹም ምእንቲ ኺነውሕ፡ ኲሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፡ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።
8 ድማ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዂሉ ዘመንና ወይኒ ኸይንሰቲ ንድምጺ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣቦና በቲ ዝኣዘዘና ዂሉ ተኣዚዝናዮ ኢና።
9 እንነብረለን ኣባይቲ ኣይንሰርሕን፡ ኣታኽልቲ ወይንን ግርሁን ዘርእን ኣይነጥርን።
10 እምበኣርሲ ኸምቲ ዮናዳብ ኣቦና ዝኣዘዘና ዂሉ ጌርና ተኣዚዝናዮ ኢና እሞ፡ ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር ዘሎና።
11 ግናኸ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ ወጸ፡ ካብ ገጽ ሰራዊት ከለዳውያንን ካብ ገጽ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ የሩሳሌም ንጒዐዝ ኢልና፡ በዚ ኸምዚ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጥና ኣሎና።
12-13 ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ ኪድ እሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ ቃለይ ንምስማዕሲ ተግሳጽዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም? ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም።
14 እቲ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፡ ወይኒ ኣይትስተዩ፡ ኢሉ ዝኣዘዞም ቃላት ጸንዔ። ንሳቶም ከኣ ንትእዛዝ ኣቦኦም ሰምዑ እሞ፡ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነስ ተዛሪበኩም፡ ኣንጊሄ ተዛሪበኩም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን።
15 ኣነ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ ግብርኹም ከኣ ኣቕንዑ፡ ከተገልግልዎም ኢልኩምውን ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡ ሽዑ ኣብታ ኣነ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ንዂላቶም ኣገልገልተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም፡ ንስኻትኩም ግና እዝንኹም ኣይጸሎኹንም ኣይሰማዕኩንን ድማ።
16 ደቂ ዮናዳብ ወዲ ሬካብሲ ነቲ ኣቦኦም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ኣጽንዕዎ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ግና ኣይሰምዓንን።
17 ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ተዛሪበዮም ኣይሰምዑን፡ ጸዊዔዮም ከኣ ኣይመለሱን እሞ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝለዉ ዂላቶምን እቲ እተዛረብኩሎም ኲሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ይብል ኣሎ።
18 ኤርምያስ ከኣ ንቤት ሬካብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንትእዛዝ ዮናዳብ ኣቦኹም ስለ እተኣዘዝኩም፡ ንዂሉ ትእዛዙ ኸኣ ስለ ዘጽናዕኩም፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘኩም ኲሉ ሰለ ዝገበርኩም፡
19 ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ንሓዋሩ ኣይኪስእንን እዩ፡ ይብል ኣሎ።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
2 ዚጥቕለል መጽሓፍ ውሰድ እሞ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዂላቶም ህዝብታትን ካብቲ እተዛረብኩኻ መዓልቲ፡ ካብ ዘመን ዮስያስ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዂሉ ቓላት ኣብኡ ጽሐፎ።
3 ምናልባሽ ቤት ይሁዳ ነቲ ናባታቶም ከውርዶ ሐሲበዮ ዘሎኹ ዂሉ ኽፉእ ምስ ሰምዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መገዱ እንተ ተመልሰ፡ ኣነ ኸኣ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ።
4 ሽዑ ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ጸውዔ፡ ባሩኽ ድማ ነቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረሉ ዂሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ ዚጥቕለል መጽሓፍ ጸሐፎ።
5 ኤርምያስ ድማ ንባሩኽ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ ኣነ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይኸይድ ተኸልኪለ ኣሎኹ፡
6 ስለዚ ንስኻ ናብኣ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝጸሐፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ጾም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ካብ ከከተማኦም ዝመጹ ዂላቶም ይሁዳ ኣንብበሎም።
7 እቲ እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ተዛሪብዎ ዘሎ ዂራን ቊጥዓን ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምናልባሽ ናብ እግዚኣብሄር ይምህለሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱ ይምለስ ይኸውን።
8 ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝኣዘዞ ዂሉ ገበረ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ካብቲ መጽሓፍ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ኣንበቦ።
9 ኰነ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ታስዐይቲ ወርሒ ንዂሉ እቲ ህዝቢ የሩሳሌምን ንዂሉ እቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ዝነበረ ህዝብን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጾም ኪጾሙ ተኣወጀ።
10 ባሩኽ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ኽፍሊ ቤት ገማርያ፡ ወዲ ሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብቲ ላዕላይ ኣጸድ በቲ ኣፍ ሓድሽ ደገ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ኰይኑ፡ ነቲ ቓላት ኤርምያስ ካብቲ መጽሓፍ ኣብ እዝኒ ዂሉ ህዝቢ ኣንበቦ።
11 ሚካያ፡ ወዲ ገማርያ ወዲ ሻፋን፡ ካብቲ መጽሓፍ ኲሉ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔ፡
12 ናብቲ ኽፍሊ ቤት ጸሓፊ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ወረደ። እንሆ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም መሳፍንቲ ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፍን ደላያ ወዲ ሸማዕያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሻፋንን ጼድቅያስ ወዲ ሃናንያን ኲላቶም መሳፍንትን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ።
13 ሚካያ ኸኣ ነቲ፡ ባሩኽ ካብቲ መጽሓፍ ኣብ እዝኒ ዂሉ ህዝቢ ኼንብቦ ኸሎ፡ ዝሰምዖ ዂሉ ቓላት ንኣታቶም ነገሮም።
14 ኲሎም እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ንይሁዲ ወዲ ንታንያ፡ ወዲ ሸልምያ፡ ወዲ ኩሺ፡ ናብ ባሩኽ፡ ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ እትጥቕለል መጽሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምጻእ፡ ኢሎም ለኣኹሉ። ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ እትጥቕለል መጽሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናባታቶም መጸ።
15 ንሳቶም ድማ፡ ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልና፡ በልዎ። ባሩኽውን ኣብ እዝኖም ኣንበበሎም።
16 ኰነ ድማ፡ ኲሉ እቲ ቓላት ምስ ሰምዑ፡ ሰምቢዶም ንሓድሕዶም ቊሊሕ ቊሊሕ ተባሃሂሎም ንባሩኽ፡ ኲሉ እዚ ዘረባ እዚ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ፡ በልዎ።
17 ንባሩኽ ከኣ፡ እስኪ ንገረና፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዂሉ እዚ ቓላት እዚ ኻብ ኣፉ ዝጸሐፍካዮ? ኢሎም ሐተትዎ።
18 ባሩኽ ከኣ፡ እዚ ዂሉ ቓላት እዚ ብኣፉ ነገረኒ፡ ኣነውን ብቐለም ኣብ መጽሓፍ ጸሐፍክዎ፡ ኢሉ ነገሮም።
19 ሽዑ እቶም መሳፍንቲ ንባሩኽ፡ ኪድ ንስኻ ምስ ኤርምያስ ተሐባእ፡ ኣበይ ከም ዘሎኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ፡ በልዎ።
20 ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ኣንቢሮም፡ ናብ ንጉስ ኣብቲ ገበላ ኣተዉ እሞ ኲለን እተን ቃላት እቲኤን ኣብ እዝኒ ንጉስ ተዛረብወን።
21 እቲ ንጉስ ከኣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኬምጽእ፡ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ወሰዳ። ይሁዲ ኸኣ ኣብ እዝኒ ንጉስን ኣብ እዝኒ ዂሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቈይሞም ዝነበሩ መሳፍንትን ኣንበባ።
22 ታስዓይ ወርሒ ዀይኑ፡ እቲ ንጉስ ኣብቲ ኣዳራሽ ክረምቲ ተቐሚጡ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ እቲ ምድጃ ሓዊ ተኣጒድዎ ነበረ።
23 ኰነ ኸኣ፡ ይሁዲ ሰለስተ ወይስ ኣርባዕተ ዓንዲ ምስ ኣንበባ፡ ብኻራ ጽሓፊ እናቐደደ፡ ኣብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ፡ እታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ድማ ብዘላ ኣብቲ ምድጃ ሓዊ ሞዂ በለት።
24 እቶም ንዂለን እዘን ቃላት እዚኤን ዝሰምዑ ንጉስን ባሮቱን ኣይሰምበዱን ክዳውንቶምውን ኣይቀደዱን።
25 ምንም እኳ ኤልናታንን ደላያን ገማርያን ንንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ ሊሚኖምዎ ኽነሶም፡ ኣይሰምዖምን።
26 እቲ ንጉስ ድማ ንባሩኽ እቲ ጸሓፍን ንኤርምያስ እቲ ነብይን ኪሕዙስ ንይርሕሚኤል ወዲ ንጉስን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሸልምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ሰወሮም።
27 እቲ ንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍን ነተን ባሩኽ ካብ ኣፍ ኤርምያስ ዝጸሐፈን ቃላትን ናብ ሓዊ ምስ ኣንደደን፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
28 ከም ብሓድሽ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ውሰድ እሞ ነተን ኣብታ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበረ ዂለን ቀደም ቃላት ኣብኣ ጽሐፈን።
29 ብዛዕባ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብል ኢኻ፡ ንስኻ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ብርግጽ ኪመጽእ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ኬጥፍኣ፡ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ኬጽንት እዩ፡ ኢልካ ዝጸሐፍካስ ስለምንታይ ኢኻ? እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብሓዊ ኣንደድካያ።
30 ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ ኣይኪረክብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፡ ለይቲ ኣብ ቊሪ ኺድርበ እዩ።
31 ንእኡን ንዘርኡን ንባሮቱን ብሰሪ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እዩ። ምስማዕ ኣብዮም እዮም እሞ፡ ኣባታቶምን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዘለዉን ኣብ ሰብ ይሁዳን ኲሉ እቲ እተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ።
32 ሽዑ ኤርምያስ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲዱ ንባሩኽ፡ ወዲ ኔርያ እቲ ጸሓፊ፡ ሀቦ። ንሱውን ነተን ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሓዊ ዘንደደን ኲላተን ቃላት እታ መጽሓፍ ካብ ኣፍ ኤርምያስ ኣብኣ ጸሐፈን። ካልእውን ንእኤን ዚመስል ብዙሕ ቃላት ተወሰኾ።

1 እቲ፡ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሃገር ይሁዳ ዘንገሶ ጼድቅያስ ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኢኮንያ ወዲ ዮኣቂም ነገሰ።
2 ግናኸ ንሱን ባሮቱን ህዝቢ እታ ሃገርን ነታ እግዚኣብሄር ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተናገሮ ቓል ኣይሰምዑን።
3 ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ ንዮካል ወዲ ሸልምያን ንጸፋንያ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ለምነልና፡ ኪብልዎ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኾም።
4 ንኤርምያስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእተውዎን ነበሩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወጽእን ነበረ።
5 ሰራዊት ፈርኦን ካብ ግብጺ ነቐለ፡ እቶም ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ከለዳውያን ከኣ እዚ ወረ እዚ ሰምዑ እሞ ኻብ የሩሳሌም ተዛሕጡ።
6 ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ኤርምያስ መጸ፡
7-8 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ እቲ ኺረድአኩም ኢሉ ዝወጸ ሰራዊት ፈርኦን ናብ ሃገሩ፡ ናብ ግብጺ ኺምለስ እዩ። ከለዳውያን ከኣ ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኺዋግእዋ፡ ሒዞም ድማ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም፡ ይብል ኣሎ ኢልኩም፡ ነቲ ኽትሐቱኒ ኢሉ ናባይ ዝሰደድኩም ንጉስ ይሁዳ ንገርዎ።
9 እግዚኣብሄር ከኣ ይብል ኣሎ፡ እቶም ከለዳውያን ኣይኪለቁን እዮም እሞ፡ ብርግጽ ኪለቁልና እዮም፡ ኢልኩም ንርእስኹም ኣይትጠብሩ፡
10 ንብዘሎ እቲ ዚዋግኣኩም ሰራዊት ከለዳውያን እኳ እንተ ሰዐርኩምዎ እሞ ገለ ውጉኣት ሰባት ጥራይ ካብኦም እንተ ተረፉ፡ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደድንኳኑ ምተንስኤ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ መንደድዋ።
11 ኰነ ድማ፡ ሰራዊት ከለዳውያን ብምኽንያት ሰራዊት ፈርኦን ካብ የሩሳሌም ምስ ተዛሕጠ፡
12 ሽዑ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ወጺኡ ብጽሒት ርስቱ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኺወስድ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከደ።
13 ናብ ደገ ብንያም ምስ በጽሔ ድማ፡ ሓደ ሓለቓ ሓለውቲ ይርያ ዝስሙ፡ ወዲ ሸልምያ ወዲ ሃናንያ፡ ኣብኡ ነበረ፡ ንነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ ናብ ከለዳውያን ኢኻ ትጸሉቕ ዘሎኻ፡ ኢሉ ሐዞ።
14 ኤርምያስ ከኣ፡ ሓሶት እዩ፡ ናብ ከለዳውያን ኣይጸለቚኩን፡ ኢሉ መለሰ። ይርያ ግና ኣይሰምዖን፡ ንኤርምያስ ሒዙውን ናብ መሳፍንቲ ወሰዶ።
15 እቶም መሳፍንቲ ድማ ንኤርምያስ ኰረዩሉን ወቕዕዎን፡ ኣብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ኸኣ፡ ንእኣ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ነበሩ እሞ፡ ኣብኣ ኣሰርዎ።
16 ሽዑ ኤርምያስ ኣብቲ ጒድጓድ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ በዓቲ ኣተወ። ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡
17 ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ልኢኹ ኣምጽኦ። ኣብ ቤቱ ድማ ብሕቡእ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ቓልዶ ኣሎ? ኢሉ ሐተቶ። ኤርምያስ ከኣ፡ እወ ኣሎ፡ በለ፡ ንስኻ እኳ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውፈ ኢኻ፡ ኢሉውን መለሰ።
18 ድሕሪኡ ኤርምያስ ንንጉስ ጼድቅያስ፡ ንኣኻን ንባሮትካን ነዚ ህዝቢ እዝን እንታይ በዲለ እየ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኻኒ? በሎ።
19 እቶም፡ ንጉስ ባቢሎን ኣባኹምን ኣብዛ ሃገር እዚኣን ኣይኪመጽእን እዩ፡ ኢሎም ዚንበዩልኩም ዝነበሩ ነብያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ?
20 እምበኣርሲ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ ጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቅቡል ይኹን፡ ኣብኣ ኸይመውትሲ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ኣይትምለሰኒ፡ ድማ በሎ።
21 ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኪኸውን፡ ኣብ ጸጽባሕ ድማ፡ ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዚሰኣን፡ ካብ ዕዳጋ ጋገርቲ ሓንቲ እንጌራ ኺህብዎ ኣዘዘ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።

 

1 ወፋጥያ ወዲ መታንን ገዳልያ ወዲ ጳሽሑርን ዩካል ወዲ ሸልማያን ጳሽሑር ወዲ መልክያን ነቲ ኤርምያስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢሉ ንዂሉ ህዝቢ እተዛረቦ ቓላት ሰምዑ፡
2 ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመጥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ፡ ናብ ከለዳውያን ዚኣቱ ግና ብህይወት ኪነብር፡ ነፍሱ ድማ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ፡ ብህይወት ከኣ ኪነብር እዩ፡
3 እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትውፈ እያ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4 እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ነቲ ንጉስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ጒድኣት እዚ ህዝቢ እዚ እምበር፡ ደሓኑ ዘይደሊ ስለ ዝዀነ፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓላት እናተዛረቦም፡ ኣእዳው እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፡ ኣእዳው ኲሉ ህዝብን የድክም ኣሎ እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣቕትሎ ደኣ፡ በሉ።
5 ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ንጉስ ኪገጥመልኩም ኣይክኣሎን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፡ በለ።
6 ሽዑ ንኤርምያስ ወሲዶም፡ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ዔላ ናይ መልክያ ወዲ ሃሜሌክ ደርበይዎ፡ ንኤርምያስ በግማድ ገይሮም ኣውረድዎ። ኣብቲ ዔላውን ጭቃ እምበር፡ ማይ ኣይነበረን እሞ ኤርምያስ ኣብቲ ጭቃ ተዋሕጠ።
7እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዔብድ – ሜሌክ ንኤርምያስ ናብታ ዔላ ኸም ዘእተውዎ ሰምዔ፡ – ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ፡
8-9 ዔብድ – ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት ንጉስ ወጺኡ፡ ንንጉስ፡ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናብ ዔላ ዝደርበይዎ ነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎ ዂሉስ እከይ ገይሮም ኣለዉ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ኪመውት እዩ፡ ኢሉ ነገሮ።
10 እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ – ሜሌክ፡ ካብዚ ሰላሳ ሰብኣይ ተማላእ እሞ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብታ ዔላ ኣውጽኣዮ፡ ኢሉ ኣዘዞ።
11 ዔብድ – ሜሌክ ከኣ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፡ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤት መዝገብ ኣትዩ፡ ካብኣ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብታ ዔላ ናብ ኤርምያስ ኣውረዶ።
12 እቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ – ሜሌክ ድማ ንኤርምያስ፡ እዚ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ ትሽትሽካ ኣብ ትሕቲ ኣግማድ ግበሮ፡ በሎ። ኤርምያስ ከኣ ከምኡ ገበረ።
13 ንሳቶም ድማ ንኤርምያስ በግማድ ስሒቦም ካብቲ ዔላ ኣውጽእዎ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
14 ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኸ፡ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ናብኡ ኣምጽኦ። እቲ ንጉስውን ንኤርምያስ፡ ሓንቲ ነገር ዝሐተካ ኣላትኒ እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣለይ፡ በሎ።
15 ኤርምያስ ድማ ንጼድቅያስ፡ እንተ ነገርኩኻ፡ ብርግጽዶ ኣይትቐትለንን ኢኻ? እንተ መኸርኩኻ ኸኣ፡ ኣይክትሰምዓንን ኢኻ፡ በሎ።
16 ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስ፡ ከይቀትለካን ኣብ ኢድ እዞም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸይህበካን፡ እዛ ነፍሲ እዚኣ ዝገበረልና እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሉ ብሕቡእ መሐለሉ።
17-18 ሽዑ ኤርምያስ ንጼድቅያስ፡ ወጺእካ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኸድካ፡ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይክትነድድን እያ፡ ንስኻን ቤትካን ከኣ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግናኸ ወጺእካ ናብ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይከድካ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክትውፈ፡ ንሳቶም ከኣ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም፡ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኢሉ ነገሮ።
19 ንጉስ ጼድቅያስ ድማ ንኤርምያስ፡ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ከለዳውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ ኣሕሊፎም ከይህብኒ እሞ ከየላግጹለይ እፈርህ ኣሎኹ፡ በሎ።
20 ኤርምያስ ከኣ፡ ኣሕሊፎም ኣይኪህቡኻን እዮም፡ በለ። ኪቐንዓካ ነፍስኻውን ብህይወት ክትነብርሲ፡ ኣብዛ ኣነ ዝብለካ ዘሎኹ ቓል ንድምጺ እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።
21 ኣይወጽእን ኢልካ እንተ ኣቤኻ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ነገር እዚ እዩ፡
22 እንሆ፡ ኲለን እተን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኬውጽእወን እዮም እሞ፡ ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፡ ኣእጋርካ ኣብ ተኺላ ተሸርባ፡ ንሳቶም ከኣ ኣድሐርሐሩ፡ ኪብላ እየን።
23 ኲለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ከለዳውያን ኬውጽእዎም እዮም፡ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትትሐዝ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሰርኻ ብሓዊ ኽትነድድ እያ፡ በለ።
24 ሽዑ ጼድቅያስ ንኤርምያስ፡ ከይትመውትሲ፡ ነዘን ቃላት እዚኤን ሓደ እኳ ኣይፍለጠን፡ በሎ።
25 እቶም መሳፍንቲ ምሳኻ ኸም እተዛረብኩ እንተ ሰምዑ፡ ናባኻ መጺኦም ድማ፡ ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፡ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ ኸይሐባእካ ንገረና እሞ ኣይክንቀትለካን ኢና። እንተ በሉኻ፡
26 ንስኻ ድማ፡ ኣብኣ ኸይመውትሲ ናብ ቤት ዮናታን ከም ብሓድሽ ኣይትምለሰኒ፡ ኢለ እየ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝለመንኩ፡ በሎም።
27 ኲሎም እቶም መሳፍንቲ ናብ ኤርምያስ መጺኦም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ ከምተን እቲ ንጉስ ዝኣዘዘን ኲለን ቃላት ገይሩ ተዛረቦም። እቲ ነገር ኣይተሰምዔን ነበረ እሞ፡ ትም ኢሎም ከዱሉ።
28 ኤርምያስ ድማ ክሳዕ እታ የሩሳሌም እተታሕዘትላ መዓልቲ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጡ ነበረ። የሩሳሌም ክትትሐዝ ከላ ኸኣ ኣብኣ ነበረ።

 

1 ኣብ ታስዓይ ዓመቱን ኣብ ዓስራይ ወርሑን ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኲሎም ሰራዊቱን መጺኦም ንየሩሳሌም ከበብዋ።
2 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ንጼድቅያስ፡ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፡ ነቲ ወርሒ ድማ ኣብ ታስዓይ መዓልቱ፡ እታ ኸተማ ጋህ ኢላ ተኸፍተት።
3 ሽዑ ዂሎም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብኣ ኣተዉ፡ ኔርጋል – ሸሬጽር፡ ስምጋር – ኔቡ፡ ሳርስኪም እቲ ሓለቓ ስሉባት፡ ኔርጋል – ሸሬጽር ሓለቓ ፈላጦ፡ ምስ ኲሎም እቶም ካልኦት መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብታ ማእከለይቲ ደገ ተቐመጡ።
4 ኰነ ኸኣ፡ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን እቶም ተዋጋእቲ ሰባትን ምስ ረኣይዎም፡ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ በቲ መገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፡ በታ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ዘላ ደገ ወጽኦም ሀደሙ። ንሱውን መገዲ ጐልጐል ሒዙ ወጸ።
5 ሰራዊት ከለዳውያን ግና እናጐየዩ ሰዐብዎም፡ ንጼድቅያስ ከኣ ኣብ መሮር ያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ኣምጽእዎ። ንሱውን ፍርዱ ተዛረበ።
6 ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ጼድቅያስ ኣብ ሪብላ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሐረዶም፡ ንዂሎም እቶም ከበርቱ ይሁዳ ኸኣ ንጉስ ባቢሎን ሐረዶም።
7 ንጼድቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፡ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ድማ፡ ብድርብ መቚሕ ነሓሲ ኣሰሮ።
8 እቶም ከለዳውያን ከኣ ንቤት ንጉስን ነባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣንደድወን፡ ቀጽርታት የሩሳሌም ድማ ኣፍረሱ።
9 ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ህዝብን ነቶም ቅድም ኣብኡ ዝኣተዉን ነቲ ተረፍ ህዝብን ማረኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
10 ነቶም ሓንቲ እኳ ዜብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣብ ሃገር ይሁዳ ይቀመጡ ሐደጎም፡ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ግርሁን ከኣ ሀቦም።
11-12 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ድማ ንናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ብዛዕባ ኤርምያስ፡ ውሰዶ እሞ ብጽቡቕ ዓይኒ ርኣዮ፡ ከምቲ ዚብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፡ ገለ ኽፉእ ኣይትግበሮ፡ ኢሉ ኣዘዞ።
13 ሽዑ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ናቡሻዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኔርጋል – ሸሬጽር ሓለቓ ፈላጦን ኲሎም መኳንንቲ ንጉስ ባቢሎንን ለኣኹ፡
14 ልኢኾም ንኤርምያስ ካብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንገዳልያ። ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ናብ ቤቱ ኺወስዶ ሀብዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተቐመጠ።
15 ኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ኸሎ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ፡
16 ኬድካ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ ኢልካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ – ሜሌክ ንገሮ፡ እንሆ፡ ነተን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እተዛረብክወን ቃላት ንመዓታ እምበር፡ ንደሓና ዘይኰነ ኸውርደላ እየ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺፍጸማ እየን።
17 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናፍግፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እተፈርሆም ዘሎኻ ሰባት ኣይክትውሀብን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ኣባይ ስለ እተወከልካ፡ ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ እሞ፡ ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ እምበር፡ ብሰይፊ ኣይክትወድቕን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ኤርምያስ ኣብ ማእከል እቶም ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ዚኸዱ ዂሎም ምሩኻት ብሰንሰለት ተኣሲሩ ኸሎ፡ ናብዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ምስ ኣምጽኦ ኻብ ራማ ፈቲሑውን ምስ ፈነዎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ።
2 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንኤርምያስ ኣምጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዚ መዓት እዚ ነዛ ቦታ እዚኣ ተናጊሩላ ነበረ።
3 እግዚኣብሄር ድማ ኣምጽኦ፡ ከምቲ እተናገሮ ኸኣ ገበረ። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምዎ፡ ድምጹውን ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ስለዚ እዚ ነገር እዚ በጽሓኩም።
4 ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ሎሚ ኻብቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት እፈትሓካ ኣሎኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ፍታውካ እንተ ዀነ፡ ንዓናይ፡ ኣነውን ብጽቡቕ ዓይኒ ኽርእየካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ባህ እንተ ዘይበለካ ግና፡ ተቐመጥ፡ እንሆ፡ ኲሉ እዚ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እዩ፡ ናብቲ ኽትከዶ ጽቡቕን ቅኑዕን ኰይኑ እተራእህየካ ናብኡ ኺድ።
5 ንምምላስ ምስ ደንጐየ፡ ደጊሙ፡ ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ተመለስ፡ ምስኡውን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተቐመጥ፡ ወይስ ኣብቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእየካ ኺድ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ስንቅን ህያብን ሂቡ ኣሰናበቶ።
6 ሽዑ ኤርምያስ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ኣብ ሚጽጳ ኸደ እሞ፡ ምስኡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ።
7 ኲሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ ሓላቑ ሰራዊት፡ ንሳቶምን ሰቦምን፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ነቶም ናብ ባቢሎን ከይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን ከም ዘማዕቈቦ ምስ ሰምዑ፡
8 እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬሃ፡ ሰራያ ወዳ ተንሁሜት ደቂ ኤፋይ እቲ ነጦፋታይ፡ ይዘንያ ወዲ ማእካታዊ፡ ንሳቶምን ሰቦምን ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ መጹ።
9 ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ንኣታቶምን ንሰቦምን ከምዚ ኢሉ መሐለሎም፡ ንከለዳውያን ከይፈራህኩም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፡ ኣብዛ ሃገር ከኣ ተቐመጡ እሞ ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም።
10 እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዚመጹ ከለዳውያን ክቐውምሲ ኣብ ሚጽጳ ክቕመጥ እየ፡ ንስኻትኩም ግና ወይንን ፍረን ዘይትን ኣክቡ፡ ኣብ ኣቓሑኹም ከኣ ኣንብሩ እሞ ኣብተን ዝሐዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ።
11 ኲሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእከል ደቂ ዓሞንን ኣብ ኤዶምን ኣብ ኲሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሐደገ፡ ንገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ድማ ከም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፡
12 ሽዑ ዂሎም ኣይሁድ ከካብቲ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዂሉ ቦታ ተመልሱ እሞ ናብ ሃገር ይሁዳ ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ኣተዉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረን ድማ ኣከቡ።
13 ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም እቶም ኣብ ሃገር ሰብ ዝነበሩ ሓላቑ ሰራዊትን ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ መጹ እሞ፡
14 ብዓሊስ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኪቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶዶ ትፈልጥ ኣሎኻ? በልዎ። ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ግና ኣይኣመኖምን።
15 ዮሃናን ወዲ ቃሬሃ ንገዳልያ ኣብ ሚጽጳ፡ እቶም ኣባኻ እተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ኪብሉ፡ እቶም ተፈፍ ይሁዳ ድማ ኪጠፍኡስ፡ ስለምንታይ እስማኤል ወዲ ነታንያ ንኣኻ ዚቐትለካ? ሓደ እኳ ኸይፈለጠ ኸይደ ክቐትሎ ዀታ ሕደገኒ፡ ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ።
16 ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬሃ፡ ንስኻ ንእስማኤል ትሕስወሉ ኢኻ ዘሎኻ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኣይትውዐሎ፡ በሎ።

 

1 ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳብዓይ ወርሒ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፡ ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕ፡ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ናብ ሚጽጳ መጸ። ኣብኣ ኣብ ሚጽጳ ኸኣ ሐቢሮም እንጌራ በልዑ።
2 ሽዑ እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰብን ተንሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እቲ ሃገር ሸይምዎ ዝነበረ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ብሰይፊ ቀንጺሎም ቀተልዎ።
3 እስማኤል ከኣ ነቶም ምስ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂላቶም ኣይሁድን ነቶም ከለዳውያን ኣብኡ ዝጸንሑ ተዋጋእትን ቀተሎም።
4 ኰነ ኸኣ ኣብ ጽባሕ እቲ ንገዳልያ ዝቐተለሉ፡ – ሓደ እኳ ኸይፈለጦ ኸሎ፡
5 ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላጸዩ፡ ክዳኖም ዝቐደዱ፡ ሰብነቶም ዘቚሰሉ ሰማንያ ሰብ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኬቕርቡ መጹ።
6 እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ካብ ሚጽጳ እናበኸየ ኪቕበሎም ወጸ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተቐበሎም፡ ንዑናይ፡ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ንኺድ፡ በሎም።
7 ኣብ ማእከል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፡ እስማኤል ወዲ ነታንያ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኰይኑ ሐረዶም፡ ኣብ ዔላ ኸኣ ደርበዮም።
8 ካብኦም ድማ ዓሰርተ ሰብ ንእስማኤል፡ ሕቡእ መዝገብ፡ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ መሮር ኣሎና እሞ፡ ኣይትቕተለና፡ ዚብልዎ ተረኽቡ፡ ንሱውን ምስቶም ኣሕዋቶም ከይቀተለ ሐደጎም።
9 እታ፡ እስማኤል ንዂሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ኣብ ጥቓ ገዳልያ ዝደርበየላ ዔላ፡ – ንሳ ንጉስ ኣሳ ንባዕሳ ንጉስ እስራኤል ፈሪሁ ዘግበራ እያ፡ – ንእኣ እስማኤል ወዲ ነታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ።
10 እስማኤል ከኣ ነቶም ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂሎም ተረፍ ህዝቢ፡ ነዋልድ ንጉስን ንዂሉ እቲ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ዘማዕቈቦ ኣብ ሚጽጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም እሞ ናብ ደቂ ዓሞን ኪኣቱ ነቐለ።
11 ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ ዝገበሮ ዂሉ እኩይ ምስ ሰምዑ፡
12 ኲሉ ሰቦም ሒዞም ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኺዋግእዎ ኸዱ እሞ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ።
13 ኰነ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ምስ እስማኤል ዝነበር ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ምስ ረኣየ፡ ተሐጐሰ።
14 ኲሉ እቲ እስማኤል ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ህዝቢ ኸኣ ተገልበጠ ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃውን ተመሊሱ ኸደ።
15 እስማኤል ወዲ ነታንያ ግና ምስ ሾሞንተ ሰብኣይ ካብ ዮሃናን ኣምለጠ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ከኣ ኸደ።
16 ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ነቲ፡ እሰማኤል ወዲ ነታንያ ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ምስ ቀተሎ፡ ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ዂሉ ተረፍ እቲ ህዝቢ፡ ነቶም ካብ ጊብዖን ዘምለሶም ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባት ካብኡ ወሰዶም፡
17-18 እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝሸሞ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ስለ ዝቐተሎ፡ በቶም ከለዳውያን ይፈርሁ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ምስሪ ኺኣትዉ ኢሎም ነቐሉ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት – ልሄም ዘላ ቤት ጋሻ ናይ ኬምሃም ከኣ ሰፈሩ።

 

1 ሽዑ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ይዘንያ ወዲ ሆሻዕያን ኲሉ እቲ ህዝቢውን ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ቐሪቡ፡
2-3 ንነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ ኣዒንትኻ ይርእያና ኸም ዘለዋ፡ ካብ ብዙሓት ሒዶት ተሪፍና ኢና እሞ፡ ልማኖና ዀታ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንኸደላ መገድን እንገብሮ ግብርን ኪሕብረልናስ፡ ስለ ዂሎም እዞም ተረፍ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና፡ በልዎ።
4 ነብዪ ኤርምያስ ከኣ፡ ሰሚዔ ኣሎኹ፡ እንሆ፡ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክልምኖ እየ። እግዚኣብሄር ዚመልሰልኩም ዘበለ ቓል ድማ ክነገርኩም፡ ሓንቲ እኳ ኣይክሐብኣልኩምን እየ፡ በሎም።
5-6 ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደደልና ዂሉ ቓላት እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና። ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ደሓን ምእንቲ ኽንረክብ፡ እንተ ጸቢቑ እንተ ኸፊኡ ንድምጺ እቲ ናብኡ እንልእከካ ዘሎና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንእዘዝ በልዎ።
7 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።
8 ንሱ ኸኣ ንዮሃናን ወዲ ቃሬናን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኺሎም ሓላቑ ሰራዊትን ንዂሉ እቲ ህዝቢ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ጸውዖም፡
9 በሎም ከኣ፡ እቲ ልማኖኹም ኣብኡ ከቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡
10 ነቲ ዝገበርኩኹም እኩይ እጥዐሰሉ ኣሎኹ እሞ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐመጥኩምሲ፡ ክሀንጸኩም እምበር፡ ኣይከፍርሰኩምን እየ፡ ክተኸለኩም እምበር፡ ኣይክምንቊሰኩምን እየ።
11 ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩምሲ ምሳኻትኩም እየ እሞ፡ ነቲ እትፈርህዎ ዘሎኹም ንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርህዎ፡ ኣይትፍርህዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12 ክምሕረኩም እየ፡ ንሱ ኸኣ ከም ዚምሕረኩምን ናብ ሃገርኩም ከም ዚመልሰኩምን ክገብር እየ።
13-14 ግናኸ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ፡ ኣይፋልናን፡ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፡ ቃና መለኸት ዘይንሰምዓላ፡ እንጌራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብጺ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን፡ እንተ በልኩም፡
15 እምበኣርስኸ ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ናብ ግብጺ ንምእታው ገጽኩም እንተ መለስኩም፡ ኣብኣ ኽትቅመጡውን እንተ ገዐዝኩም፡
16 ሽዑ እቲ እትፈርህዎ ሰይፊ ኣብኣ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ኬርክበኩም፡እቲ እትፈርህዎ ጥሜት ከኣ ናብኣ፡ ናብ ግብጺ ኺስዕበኩም እዩ እሞ ኣብኣ ኽትሞቱ ኢኹም።
17 ኲሎም እቶም ኣብኣ ኪቕመጡ ኢሎም ገጾም ናብ ግብጺ ዝመለሱ ሰባት ኣብኣ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪሞቱ እዮም፡ ካባታቶም ከኣ ካብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳኣይኪተርፍን፡ ኣይኬምልጥንውን እዩ።
18 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምቲ ዂራይን ነድረይን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ እተኻዕወ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግብጺ ምስ ኣቶኹም፡ ነድረይ ናባኻትኩም ኪኲዖ እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ንመሰክሕን ንመስደመምን ንመራገምን ንመጻረፍን ክትኰኑ ድሕርዚውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይክትርእይዋን ኢኹም፡ ይብል ኣሎ።
19 ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር፡ ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ፡ ኢሉ ተዛሪቡኩም እዩ። ኣነውን ነዚ ሎሚ ኸም ዝመስከርኩልኩም፡ ኣርጊጽኩም ፍለጡ።
20 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ለምነልና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚብሎ ዂሉ ንገረና፡ ንሕና ድማ ክንገብሮ ኢና፡ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፡ በዝስ ንነፍስኹም ኢኹም ዝጠበርኩም።
21 እምበኣርሲ ሎሚ ኣፍሊጠኩም እየ፡ ንስኻትኩም ግና በቲ ናባኻትኩም ዝለኣኸኒ ዂሉ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተኣዘዝኩምን።
22 ስለዚ ኣብታ ኽትቅመጥዋ ኢልኩም ክትከድዋ እትደልዩ ዘሎኩም ቦታ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከም እትሞቱ፡ ኣርጊጽኩም ፍለጡ።

1 ኰነ ድማ፡ ኤርምያስ ንዂሉ እዚ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ናባታቶም ዝለኣኾ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ዂለን እተን ቃላት ምንጋር ምስ ወድኤ፡
2-3 ሽዑ ኣዛርያ ወዲ ሆሻዕያን ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርምያስ፡ ኣታ፡ ሓሶት ተዛረብካ፡ ባሩኽ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክንውፈን ንሳቶም ኪቐትሉናን ናብ ባቢሎን ኪማርኹናን ኢሉ ኣባና ዜነድረካ ዘሎ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ፡ ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብጺ ኣይትግዐዙ በሎም፡ ኢሉ ኣይለኣኸካን፡ በልዎ።
4 ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም ሓላቑ ሰራዊትን ኲሉ እቲ ህዝብን ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ ዚብሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝዎን።
5 ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም ሓላቑ ሰራዊትን ነቶም ካብ ኲሎም እቶም ተሰጒጎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ናብ ሃገር ይሁዳ ኪቕመጡ እተመልሱ ዂሎም ተረፍ ይሁዳ ምሳታቶም ወሰዱ፡
6 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን ኲሎም እቶም ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ምስ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ዝሐደጎም ሰባትን ምሳታቶምውን ንነብዪ ኤርምያስን ንባሩኽ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።
7 ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣይሰምዑን እሞ፡ ናብ ግብጺ ገዐዙ፡ ክሳዕ ታህጳኔስ ከኣ በጽሑ።
8 ሽዑ ኣብ ታህጳኔስ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
9 ዓበይቲ ኣእማን ብኢድካ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ደገ ቤት ፈርኦን ኣብ ታህጳኔስ ዘላ ጭቃ ናይ እቶን ጡብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ሰብኡት ይሁዳ ሕብኣየን።
10 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎውን በሎም፡ እንሆ፡ ኣነ ንጊልያይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምጽኦ እየ፡ ንዝፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሐባእክወን ኣእማን ከንብሮ እየ፡ ንሱ ኸኣ ድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊኤን ኪዝርግሕ እዩ።
11 ንሱ ኺመጽእ፡ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ኪወቕዓ እዩ እሞ ዚመውት ንሞት፡ ዚማረኽ ንምርኮ ዚስየፍ ንሰይፊ ኺውፈ እዩ።
12 ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ሓዊ ኽትኲስ እየ። ንሱ ኸኣ ኬንድደንን ኪማርኾምን እዩ፡ ጓሳ ብኽዳኑ ኸም ዚኽደን፡ ንሃገር ግብጺ ኪኽደና፡ ካብኣውን ብደሓን ኪወጽእ እዩ።
13 ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎ ኣዕኑድ ቤት – ሸመሽ ኪሰባብር፡ ነቲ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብጺውን ብሓዊ ኼንድዶ እዩ።

 

1 ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዝነበሩ፡ ኣብ ሚግዶል፡ ኣብ ታህጳኔስ፡ ኣብ ኖፍ፡ ኣብ ሃገር ጳጥሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድ፡ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡
2-3 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሰሪ እቲ፡ – ንሳቶም ኰነ፡ ንስኻትኩም ኰነ፡ ኣቦታትኩም ኰነ፡ – ንዘይፈለጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኼገልግሉን ዕጣን ኪዐጥኑን እናኸዱ ኼቑጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ ኽፍኣቶም፡ ኲሉ እቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳን ዘውረድክዎ ዂሉ መዓት ርኢኹምዎ ኣሎኹም። እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ባዲመን፡ ሓደ እኳ ዚነብረለን የልቦን።
4 ኣነስ ንዂላቶም ባሮተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ እዚ ዝጸልኦ ዘሎኹ ርኹስ ነገር ኰታ ኣይትግበሩ፡ ኢለ ኣንጊሄ ለኣኽኩ።
5 ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኪሐድጉ፡ ካብ ክፍኣቶም ድማ ኪምለሱ ኣይተኣዘዙን፡ ኣእዛኖም ከኣ ጽን ኣየበሉን።
6 ስለዚ ድማ ቊጥዓይን ኲራይን ተኻዕወ፡ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ነደደ። ንሳተን ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይነናኦ ዘለዋ፡ ዑናን ምድረ በዳን ኰና።
7-8 ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመጻእኩምዋ ሃገር ግብጺ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም ብግብሪ ኢድኩም እናኣዀሬኹምኒ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ዕሸልን ሓደ እኳ ኸይተረፈ ኻብ ማእከል ይሁዳ ኽትጸንቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መጻረፍን ኴንኩም ክትጸንቱስ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ነፍስኹም ክንድዚ ዓብዪ እከይ እትገብሩ ዘሎኹም?
9 ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገበርዎ ኽፍኣት ኣቦታትኩምን ነቲ ኽፍኣት ነገስታት ይሁዳን ነቲ ኽፍኣት ኣንስቶምን ነቲ ኽፍኣትኩምን ነቲ ኽፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኩምዎ ኢኹም?
10 ክሳዕ ሎሚ ኣይተደቚሱን፡ ኣይፈርሁን፡ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይተመላለሱን።
11 ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንመዓትን ንዂሉ ይሁዳ ኸጽንትን ገጸይ ናባኻትኩም ክመልሶ እየ።
12 ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ኪቕመጡ ኢሎም ናብኣ ኺግዕዙ ገጾም ዝመለሱ ተረፍ ይሁዳ ኽወስዶም እየ እሞ ኲሎም ኪዂመሙ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺወድቁ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪሞቱ እዮም። ንመሰክሕን ንመስደመምን ንመጻረፍን ከኣ ኪዀኑ እዮም።
13 ከምቲ ንየሩሳሌም ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ዝቐጻዕክዋ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጦም ዘለዉ ክቐጽዖም እየ።
14 ብጀካ ገለ ህዱማት ኣይኪምለሱን እዮም እሞ፡ ካብቶም ናብ ሃገር ይሁዳ ኺነብሩ ኢሎም ናብኣ ኺምለሱ እናናፈቑ፡ ናብ ሃገር ግብጺ ኣብኣ ኪቕመጡ ኢሎም ዚመጹ ተረፍ ይሁዳ ሓደ እካ ዜምልጥ ወይስ ዚተርፍ የልቦን።
15 ሽዑ ዂሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዚዐጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን ኲለን እተን ኣብኣ ቘይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ጳጥሮስ ዚቕመጥ ህዝብን ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡
16 እቲ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዓካን ኢና።
17 ግናኸ ከምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን መሳፍንትናን ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝገበርናዮ እሞ ሽዑ እንጌራ ንጸግብ፡ ደሓን ንነብር፡ መዓትውን ኣይንርእን ዝነበርና፡ ንሕና ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥን መስዋእቲ መስተ ድማ ንእኣ ኸነቕርብ ኢልና ዂሉ እቲ ኻብ ኣፍና ዝወጸ ቓል ብርግጽ ክንገብሮ ኢና።
18 ግናኸ ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ ንእኣ ምኽዓውን ምስ ሐደግና፡ ኲሉ ነገር ጨነቐና። ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።
19 ንንግስቲ ሰማይ እናዐጠንናን መስዋእቲ መስተ እናኸዖናላን፡ ነቲ ብምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጌራን ነቲ ዘቕረብናላ መስዋእቲ መስተን ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትናዶ ኢና ዝገበርናዮ?
20 ሽዑ ኤርምያስ ንዂሉ ህዝቢ፡ ነቶም ሰብኡትን ነተን ኣንስትን፡ ንዂሉ እቲ ምላሽ ዝሀቦ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
21 ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን መሳፍንትኹምን ህዝቢ እታ ሃገርን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዝዐጠንኩምዎ ዕጣንዶ ኣይኰነን እግዚኣብሄር ዘኪርዎ ኣብ ልቡ ኸኣ ትዝ ኢልዎ ዘሎ?
22 እግዚኣብሄር ከኣ ብሰሪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰሪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ካብዚ ንንየው ኪዕገስ ኣይከኣለን። ስለዚ ሃገርኩም ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ ምድረ በዳን መሰክሕን መራገመን ኰነት።
23 ዕጣን ስለ ዝዐጠንኩምን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፡ ስለዚ እዩ ኸምዚ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ፡ እዚ መዓት እዚ ዝወረደኩም።
24 ኤርምያስ ድማ ንዂሉ እቲ ህዝብን ንዂለን እተን ኣንስትን፡ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎኹም ኲላትኩም ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡
25 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን፡ ንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥን፡ መስዋእቲ መስተ ኽንክዕወላ፡ እተመባጻዕናዮ መብጽዓና ብርግጽ ክንፍጽሞ ኢና፡ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛሪብኩምዎ፡ በእዳውኩም ከኣ ፈጺምኩምዎ ኢኹም። ሕራይ፡ መብጽዓኹም ፈጽሙ፡ መብጽዓኹም ከኣ መልኡ።
26 ስለዚ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኲልኹም ሰብ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲላ ሃገር ግብጺ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ፡ ኢሉ ብኣፍ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕርዚ ኸይስመ፡ በታ ዓባይ ስመይ እምሕል ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
27 እንሆ፡ ኣነ ንሕሰም እምበር፡ ንደሓን ዘይኰነ ኽተግሃሎም እየ እሞ፡ ኲላቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘለዉ ሰብ ይሁዳ ብሰይፍን ብጥሜትን ጥራስ ክሳኦ ዚውድኡ ኺጠፍኡ እዮም።
28 እቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ኻብ ሃገር ግብጺ ናብ ሃገር ይሁዳ ሒደት ኰይኖም እዮም ዚምለሱ። ኲሎም እቶም ኣብኣ ኪቕመጡ ናብ ሃገር ግብጺ ዝመጹ ተረፍ ይሁዳ፡ ናተይ ወይስ ናቶም፡ ኣየናይ ቃል ክውን ከም ዝዀነ ኪፈልጡ እዮም።
29 ቃላተይ ብዛዕባኹም ርግጽ ንሕሰምኩም ከም ዚቐውም ክትፈልጡስ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ እዚ ኸኣ ምልክት ኪዀነኩም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
30 እንሆ፡ ከምቲ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ጸላኢኡን ነፍሱ ዚደሊ ዝነበረን ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሀብክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንፈርኦን ሆፍራ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኢድ ጸላእቱን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሱ ዚደልዩን ክህቦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

1 ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ እታ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኤን ካብ ኣፍ ኤርምያስ ኣብ መጽሓፍ ኪጽሕፈን ከሎ፡ እተዛረቦ ቓል ከምዚ እትብል እያ፡
2 ኣታ ባሩኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡
3 ንስኻስ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ፡ ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ፡ ዕረፍቲውን ሰኣንኩ፡ ትብል ኣሎኻ።
4 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶ፡ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቊሶ ኣሎኹ፡ እዚውን ኣብ ኲላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ።
5 ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣሎኻ? ኣይትድለዮ። እንሆ፡ መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዂሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዂሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 እታ ብዛዕባ ህዝብታት ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸት ቃል እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡
2 ብዛዕባ ግብጺ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዐሮ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ።
3 ዋልታን ገለብን ኣዳልዉ፡ ናብ ውግእ ከኣ ድፍኡ።
4 ኣቱም ፈረሰኛታት፡ ነቶም ኣፍራስ ጽዐንዎም እሞ ስረርዎም። ቊራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ኣእትዉ፡ ኲናውቲ ወላውሉ፡ ድርዒውን ልበሱ።
5 ስለምንታይ ደኣ ሰምቢዶም ንድሕሪት ዚምለሱ ዝርኢ ዘሎኹ፡ ጀጋኑኦም ተሰባበሩ፡ ንድሕሪት ግልጽ ከይበሉውን ሀደሙ። ኣብ ኲሉ ወገን ረዓድ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6 እቲ ጐያዪ ኣይህደም፡ እቲ ጅግና ኣየምልጥ። ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉን ወደቑን።
7 እቲ ኸም ኒል ዚድይብ፡ ማያቱ ኸኣ ከም ወሓዚ ዚናወጽሲ መን እዩ?
8 ግብጺ እዩ ኸም ኒል ዚድይብ፡ ማያቱ ድማ ከም ወሓዚ ዚናወጽ። ንሱውን፡ ኣነ ኽድይብ፡ ንምድሪ ክኸድና። ነተን ከተማታትን ኣብኤን ዚነብሩን ከኣ ከጥፍእ እየ፡ ይብል ኣሎ።
9 ኣቱም ኣፍራስ፡ ውጹ፡ ኣቱም ሰረገላታት፡ ውረሩ። እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ዚሕዙ ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንን ቀስቲ ዚሕዙን ዚግትሩን ሉዳውያንን ይውጽኡ።
10 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ መስዋእቲ ሕሩድ ኣለዎ እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተጻረርቱ ሕነ ምእንቲ ኺፈድዮም፡ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ። እቲ ሰይፊ ኸኣ ኪዀምምን ኪጸግብን፡ ብደሞም ድማ ኪሰክርን እዩ።
11 ኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡ ናብ ጊልኣድ ደይቢ፡ ቅዲት ከኣ ውሰዲ። ንኸንቱ ኣፋውስ ተብዝሒ ኣሎኺ፡ ኣየሕውየክን እዩ።
12 ህዝብታት ነውርኺ ይሰምዑ፡ ብኣውያትኪ ኸኣ ምድሪ ትመልእ ኣላ። ጅግና ኣብ ርእሲ ጅግና ተጐዝጒዙ ይዝዞ እሞ፡ ክልቲኦም ሐቢሮም ይወድቁ።
13 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከም ዚመጽእ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ከም ዚወቕዓ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ ዝነገሮ ቓል እዚ እዩ፡
14 ሰይፊ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዀሚምዎ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ተሰለፍውን፡ ኢልኩም ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣስምዑ፡ ኣብ ኖፍን ኣብ ታህጳኔስን ኣስምዑ።
15 ስለምንታይ ጀጋኑኻ ኣብ ምድሪ ጻሕ በሉ? እግዚኣብሄር ደፊእዎም እዩ እሞ፡ ኪቘሙ ኣይከኣሉን።
16 ንሱ ንብዙሓት ሰንከልከል ኣበሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ድማ ወደቑ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዚ ዚጭኲን ሰይፊ ናብ ህዝብናን ናብታ እተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ፡ በሉ።
17 ኣብኡ ኸኣ፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ጠፊኡ፡ እቲ ምዱብ ጊዜውን ኣሕሊፎዎ፡ ኢሎም ጨደሩ።
18 እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከም ታቦር ኣብ ኣኽራን፡ ከም ቀርሜሎስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺመጽእ እዩ።
19 ኖፍ ምድረ በዳ ኽትከውን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ ዀይና ኽትነድድ እያ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ዘሎኺ ጓል፡ ንምምራኽ ኣቓሑኺ ኣዳልዊ።
20 ግብጺ ምልምል ኣርሒ እያ፡ መጥፍኢኣ ይመጽእ። ካብ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ።
21 እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዓስቢ ዓሳብ ድማ ከም ስቡሓት ኣርሒ እዮም። መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ጊዜ ቕጽዓቶም ወሪድዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶምውን ኲላቶም ግልብጥ ኢሎም ሀደሙ ኣይቈሙን ከኣ።
22 ምስ ጭፍራ ይመጹ፡ ከም ፈለጽቲ ዕጨይቲ ድማ ብምሳውርቲ ይወርዋ ኣለዉ እሞ፡ ደሃያ ኸም ናይ ተመን ኰይኑ ይስማዕ ኣሎ።
23 ንሳቶም ኪቚጸሩ ዘይከኣሉ፡ ካብ ኣንበጣ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ነዚ ዘይሕለፍ ዱር ይቘርጹ ኣለዉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
24 ጓል ግብጺ ነወረት፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ተወፈየት።
25 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ንኣሞን ካብ ኖን ንፈርኦንን ንግብጽን ንኣማልኽታን ንነገስታታን፡ ከምኡውን ንፈርኦንን ነቶም ዚውከልዎን ክቐጽዖም እየ፡ ይብል ኣሎ።
26 ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ባሮቱን ከሕልፎም እየ። ድሕርዚ ግና ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረ ኺነብሩላ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
27 እምበኣርሲ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣታ እስራኤል፡ ኣይትሰምብድ። እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፡ ንዘርእኻ ድማ ካብታ ተማሪኾምዋ ዘለዉ ሃገር ከድሕነኩም እየ እሞ፡ ያእቆብ ኪምለስ፡ ኪዐርፍን ኪሀድእን እዩ፡ ዜሰምብዶ ድማ የብሉን።
28 ኣታ ባርያይ ያእቆብ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ንዂሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ህዝቢ ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን እየ፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝቐጽዓካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ እኳ ኣይሐድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ፈርኦን ንጋዛ ኸይወግኣ ኸሎ፡ እቲ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
2 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ማያት ካብ ሰሜን ይድይብ፡ ደምሳሳይ ውሒዝ ይኸውን፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን፡ ነተን ከተማታትን ኣባታተን ዚነብሩን ይድምስስ፡ እቶም ሰብ ከኣ ይጭፍሑ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎምውን የእውዩ።
3-4 እግዚኣብሄር ነቶም ካብ ደሴት ካፍቶር ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ኬጥፍኦም እዩ እሞ፡ ንድባበ ዂሎም እቶም ተረፍ ደገፍቲ ጢሮስን ሲዶንን፡ እታ ዂሎም ፍልስጥኤማውያን ዚጠፍኡላ መዓልቲ ስለ ዝመጸት፡ ብሰሪ እቲ ዃሕኳሕ ናይ ሸዃኑ እቶም ሓያላት ኣፍራሱን ብሰሪ እቲ ህማም ናይ ዓረብያታቱን ብሰሪ እቲ ሓርገምገም ዕንክሊል ሰረገላታቱን፡ ኣቦታት ኣእዳዎም ወለል ኢልዎም፡ ንደቆም ግልጽ ኣይኪብሉን እዮም።
5 ጋዛ በርሔት፡ ኣስቃሎን ጠፍኤት፡ ተረፍ ቋላታተን። ክሳዕ መኣዝ ክትመልጢ ኢኺ?
6 ኣየ፡ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፡ መኣዝ ኰን ክትዐርፍ ኢኻ? ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ዕረፍ፡ ህዳእ።
7 እግዚኣብሄር ኣዚዙካ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌርካኸ ኽትዐርፍ? ናብ ኣስቃሎንን ናብ ገምገም ባሕርን ልኢኽዎ ኣሎ።

1 ብዛዕባ ሞኣብ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኔቦ ዖንያ እያ እሞ፡ ወይልኣ። ቂርያታይም ነወረት ተታሕዘትውን፡ እቲ እምባ ነወረን ፈረሰን።
2 ድሕርዚ ሓበን ሞኣብ የሎን። ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ንዑናይ ነጥፍኣያ። ኢሎም ኣብ ሄስቦን እኩይ ነገር ይፍሕሱላ ኣለዉ። ኣቲ መድሜን፡ ንስኺ ድማ ክትጠፍኢ ኢኺ፡ ሰይፊ ኺስዕበኪ እዩ።
3 ዋይዋይን ጥፍኣትን ብርቱዕ ምዕናውን ካብ ሆሮናይም ይስማዕ ኣሎ።
4 ሞኣብ ተደቚሰት፡ ደቃ ዋይወዮም ኣስምዑ።
5 ኣብ ቊልቁል ሆሮናይም ብናይ ምፍራስ ዜሸግር ጭንቂ ቚዝማ ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ዓቐብ ሉሂት ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ ኣለዉ።
6 ህደሙ፡ ነፍስኹም ኣድሕኑ፡ ከም ገረብ ሑመር ኣብ በረኻ ኹኑ።
7 ብግብርኽን ብሃብትኽን ተኣሚንኪ ኢኺ እሞ፡ ስለዚ ንስኺ ድማ ክትተሐዚ ኢኺ፡ ኬሞሽን ካህናቱን መሳፍንቱን ከኣ ሐቢሮም ኪማረኹ እዮም።
8 ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይከተምልጥን እያ፡ እቲ መጥፍኢ ንዂለን ከተማታት ኪመጸን እዩ፡ እቲ ለሰ ኺጠፍእ፡ እቲ ጐልጐል ከኣ ኪበርስ እዩ።
9 ሞኣብ ነፊራ ኽትሀድምሲ፡ ኣኽናፍ ሀብዋ፡ ከተማታታ ኸኣ ዚነብረን ዜብለን ኰይነን ኪባድማ እየን።
10 እቲ ንዕዮ እግዚኣብሄር ዕሽሽ ኢሉ ዚገብሮ ርጉም ይኹን፡ ንሰይፊ ድማ ደም ከይዂዑ ዚገትእ ርጉም ይኹን።
11 ሞኣብ ካብ ንእሽቶኣ ጀሚራ ህድእቲ ነበረት፡ ኣብ ልዕሊ ሓተልኣውን ዐረፈት፡ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸኣ ኣይተቐጥፈትን፡ ተማሪኻ ድማ ኣይከደትን፡ ስለዚ ጣዕማ ኣርነበት፡ መኣዛኣውን ኣይተለወጠን።
12-13 ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ዚቐድሕዋ ቐዳሕቲ ዝሰደላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ሰራሙኣ ኼዕርቑ፡ ኣጋንኣ ድማ ኪሰባብሩ እዮም፡ ከምቲ ቤት እስራኤል በታ እተወከለታ ቤትኤል ዝሐፈረቶ፡ ሞኣብ ድማ ከምኡ ብኬሞሽ ክትሐፍር እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14 ንስኻትኩም፡ ኣብ ውግእ ጀጋኑን ሃጥራትን ኢና፡ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡
15 እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ፡ ሞኣብ ፈረሰት፡ ናብ ከተማታታ ወጹ፡ እቶም ሕሩያት ኣጒባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፡ ይብል ኣሎ።
16 መዓት ሞኣብ ኪመጽእ ቀሪቡ እዩ፡ ጸበብኣ ድማ ቀልጢፉ የሳጒም ኣሎ።
17 ኲላትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘሎኹም፡ ብኸዩላ፡ ኲላትኩም፡ ስማ እትፈልጡ ኸኣ፡ እቲ ድልዱል በትርን እቲ ምልምል ዘንግንከ ኸመይ ኢሉ ተሰብረ፡ በሉ።
18 ኣቲ ኣብ ዲቦን እትነብሪ ዘሎኺ ጐርዞ፡ እቲ መጥፍኢ ሞኣብ ናባኺ ደዪቡ፡ ንዕርድታትኪ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ካብ ክብረትኪ ውረዲ፡ ኣብ ኣጻምእ ተቐመጢ፡
19 ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ ዘሎኺ፡ ኣብ መገዲ ደው በሊ ጠምቲ ኸኣ፡ ነቲ ዝሀደመን ነታ እተምልጥን፡ እንታይ ወሪዱ እዩ? ኢልኪ ድማ ሕተቲ።
20 ሞኣብ ተሳዒራ እያ እሞ፡ ነወረት፡ ኣእውዩ፡ ጨድሩ፡ ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።
21 ፍርዲ ኣብቲ ሃገር ጐልጐል፡ ኣብ ሆሎን፡ ኣብ የህጻ፡ ኣብ መፍዓት፡
22 ኣብ ዲቦን፡ ኣብ ኔቦ፡ ኣብ ቤት – ዲብላታይም፡
23 ኣብ ቂርያታይም፡ ኣብ ቤት – ጋሙል፡ ኣብ ቤት – ምዖን፡
24 ኣብ ቅርዮት፡ ኣብ ቦጽራ፡ ኣብ ዝረሐቓን ኲላተን ከተማታት ሞኣብን መጸ።
25 ቀርኒ ሞኣብ ተሰልዔ፡ ቅልጽሙ ተሰብረ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
26 ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡ ኣስክርዎ። ኣብ ትፉኡ ጠንቀላዕላዕ ይበል፡ መላገጺውን ይኹን።
27 እስራኤልዶ መላገጺ ዀይኑልካ ኣይነበረን እዩ? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ ከሎኻ፡ ርእስኻ እትንቕንቕሲ ኣብ ማእከል ሰረቕቲ ደዀን ተረኺቡ እዩ?
28 ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፡ ካብተን ከተማታት ልቐቑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ገምገም ጸድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ።
29 ምክሔ ሞኣብን ብርቱዕ ትዕቢቱን ፍኽናኔኡን ኲርዓቱን ድፍረቱን ኲዕናኔ ልቡን ሰማዕና።
30 ኣነ ንዂራኡን ነቲ ኸንቱ ዝዀነ ትምክሕቱን እፈልጥ ኣሎኹ፡ ግብሩውን ከንቱ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
31 ስለዚ ንሞኣብ ኤልቅሰሉ፡ ኣብ ኲሉ ሞኣብ ከኣ እቚዝም ኣሎኹ። ንሰብ ቂር – ሄሬስ እህህ ይብሉሎም ኣለዉ።
32 ኣቲ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ፡ ካብቲ ብኽያት ያዕዜር ዚበዝሕ ገይረ እበኽየልኪ ኣሎኹ። ሓረግኪ ኽንየው ባሕሪ ተሳገረ፡ ክሳዕ ባሕሪ ያዕዜርውን በጽሔ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ኣብ ቀውዒ ዘቢብክን ወረደ።
33 ካብቲ ፈራዪ ግርሁን ካብ ሃገር ሞኣብን ፍስሃን ደስታን ጠፍኤ። ነቲ ወይኒ ኣብ መሓምተሊኡ ኣወዳእክዎ። ድሕርዚ ዘቢብ ብእልልታ ኣይሕምተልን፡ እቲ እልልታ ድማ እልልታ ኣይኰነን።
34 ማያት ነምሪም ከኣ ምድሪ ኣጻምእ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣውያት ሔስቦን ክሳዕ የህጻ፡ ካብ ጾኣር ክሳዕ ሆሮናይም፡ ክሳዕ ኤግላት – ሸሊሻ ኺስማዕ እዩ።
35 ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ ሞኣብ ኣብ በረኽቲ ዚድይብን ንኣማልኽቱ ዚዐጥንን ከጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
36 እቲ ዝደለብዎ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ንሞኣብ ከም እምብልታ ይቚዝም፡ ንሰብ ቂር – ሄሬስ ከኣ ልበይ ከም እምብልታ ገይሩ ይቚዝመሎም ኣሎ።
37 ስለዚ ርእሲ ዘበለ ተላጽዩ፡ ኲሉ ጭሕሚ ተቘሪጹ፡ ኲላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፡ ኣብ ሓቛቚ ድማ ከሊ ኣሎ።
38 ንሞኣብ፡ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፡ ሰባቢረያ እየ እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኣናሕስ ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታታን ቊዝማ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
39 ኣየ፡ ከመይ ኢላ ተሳዕረት፡ ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ። ከመይ ኢላ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት። ሞኣብ ንዂሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ ንመላገጽን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።
40 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ከም ንስሪ ይነፍር፡ ኣኽናፉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ይዝርግሕ ኣሎ።
41 ቂርያት ተታሕዘት፡ ዕርድታት ድማ ተወስደ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሐዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።
42 ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ድሕርዚ ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ኽትጠፍእ እያ።
43 ኣታ ኣብ ሞኣብ እትነብር ዘሎኻ፡ ፍርሃትን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
44 ኣነ ዓመት ቅጽዓቶም ኣብ ርእሲኣ፡ ኣብ ርእሲ ሞኣብ ከውርድ እየ እሞ፡ ካብ ፍርሃት ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕ፡ ካብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ኣብ መፈንጠራ ኺተሐዝ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
45 እቶም ሃደምቲ ደኺሞም፡ ኣብ ጽላል ሔስቦን ደው ኢሎም ኣለዉ። ካብ ሔስቦን ሓዊ፡ ካብ ማእከል ሲሆን ከኣ ሃልሃልታ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ነቲ ጐቦታት ሞኣብን ነቲ ርእሲ ደቂ ታዕታዕን በሊዕዎ እዩ።
46 ኣቲ ሞኣብ፡ ኣወዳትኪ ተማሪኾም፡ ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ፡ ወይለኺ፡ ህዝቢ ኬሞሽ ጠፊኡ እዩ።
47 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሳ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክሳዕ እዚ እዩ እቲ ፍርዲ ሞኣብ።

 

1 ብዛዕባ ደቂ ዓሞን። እስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወይስ ወራሲዶ የብሉን እዩ? ስለምንታይ ደኣ እቲ ንጉሶም ንጋድ ዚርስተያ፡ ህዝቡ ኸኣ ኣብ ከተማታት ዚሰፍር? ይብል እግዚኣብሄር።
2 ስለዚ እንሆ፡ እተን ጭድርታ ውግእ ኣብ ልዕሊ ራባህ ናይ ደቂ ዓሞን ዘስምዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ዂምራ ድብነት ክትከውን፡ እተን ኣዋልዳ ኸኣ ብሓዊ ሞዂ ኪብላ እየን። ሽዑ ኸኣ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
3 ኣቲ ሔስቦን፡ ዓይ ፈሪሳ እያ እሞ፡ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ራባህ፡ ከሊ ተዐጠቓ፡ ዋይዋይ በላ። ንጉሶም ምስ ካህናቱን መሳፍንቱን ሐቢሩ ኺማረኽ እዩ እሞ፡ ኣብቲ መካበብያ እናዘርክን ኣልቅሳ።
4 ኣቲ፡ መን እዩ ዚመጸኒ? ኢልኪ ብመዝገብኪ ተኣሚንኪ ዘሎኺ ጠላሚት ጓል፡ ስለምንታይ በተን ለሴታትኪ እትሕበኒ? እቲ ለሴኺ ኺድምሰስ እዩ።
5 እንሆ፡ ካብ ኲሉ ኸባቢኺ ፍርሃት ከምጽኣልኪ እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ኲሉ ወገን ክትሰጐጉ ኢኹም፡ ነቶም ህዱማት ከኣ ዚኣኻኽቦም የልቦን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
6 ድሕርዚ ግና ንደቂ ዓሞን ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ብዛዕባ ኤዶም። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጥበብዶ ኣብ ቴማን የልቦን? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ጠፍኤት? ጥበቦምዶ ኸንቱ ዀነት?
8 ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ፡ በታ ጊዜ ቕጽዓቱ መዓት ኤሳው ናብኡ ኸውርዶ እየ እሞ፡ ህደሙ፡ ተመለሱ፡ ኣዕሚቚኩም ተሐብኡ።
9 በተኽቲ ዘቢብ እንተ ዚመጹኻ፡ ዘለላ ዘቢብዶ ኣይምሐደጉልካን? ሰረቕቲ ብለይቲ እንተ መጹ፡ ክሳዕ ዝደለዩ ይጽይቑ።
10 ኣነ ግና ንኤሳው ቀሊዔዮ፡ መሕብኢኡ ድማ ገሊጸዮ እየ፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ኪጸንቱ እዮም፡ ንሱውን ድሕርዚ ኣይኪህሉን እዩ።
11 ንዘኽታማትካ ሕደጎም፡ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፡ መበላሉኻ ኸኣ ኣባይ ይወከሉ።
12 እምበኣርሲ እንሆ፡ እቶም ነታ ጽዋእ ኪሰትዩ ዘይተመዘዙ ኺሰትይዋ እዮም። ንስኻስ ካንዶ ኸይተቐጻዕካ ኽትተርፍ ኢኻ? ብርግጽ ክትሰትያ ኢኻ እምበር፡ ከይተቐጻዕካስ ኣይክትተርፍን ኢኻ? ይብል እግዚኣብሄር።
13 ቦጽራ ኸኣ ድብነትን መጻረፍን በረኻን መራገምን ከም እትኸውን፡ ኲለን ከተማታት ድማ ንሓዋሩ በረኻ ኸም ዚዀና፡ ብርእሰይ እምሕል ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14-15 ካብ እግዚኣብሄር ኣዋጅ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል ልኡኽ ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ተላእከ፡ እንሆ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣንኢሰካ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ከኣ ኣንዒቐኻ እየ እሞ፡ ተኣከቡ፡ ተንስእዋን ንውግእ ተዐጠቑን።
16 ኣቲ ኣብ ምንቃዕ ኣጻድፍ እትነብሪ፡ ርእሲ ዂድዂዶ እትሕዚ፡ ድፍረትክን ኲርዓት ልብኽን ጠበረኪ። ከም ንስሪ እኳ ቤትኪ ኣብ በሪኽ እንተ ሰራሕኪ፡ ኣነ ኻብኡ ኸጽድፈኪ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
17 ኤዶም ንመሰክሒ ኽትከውን እያ። ነፍሲ ወከፍ ብእኣ ዚሐልፍ ድማ በቲ ዂሉ ስቓያ ኺስክሓላን ኪፋጽየላን እዩ።
18 ከምቲ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ጥቓኤን ዝነበራ ኸተማታትን እተገልበጣ፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
19 እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፡ ብኡ ብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎ እየ፡ ነቲ እተሐርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዚመዓራረየኒ መን እዩ? ቈጸራ ዚገብረለይከ መን እዩ? እቲ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳስ መን እዩ?
20 ስለዚ እግዚኣብሄር ንኤዶም ዝመደበላ ምኽርን፡ ነቶም ኣብ ቴማን ዚነብሩ ሰባት ዝሐሰባ ሓሳብን ስምዑ፡ ብርግጽ ነቶም ናይ መጓሰ ናእሽቱ እኳ ኸይተረፈ ኺጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ኪፈርስ እዩ።
21 በቲ ህው ዝበል ደሃይ አወዳድቓኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ጭራሕምራሖም ድማ ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ይስማዕ ኣሎ።
22 እንሆ፡ ከም ንስሪ ኺድይብ፡ ኪነፍር፡ ኣኽናፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ቦጽራ ኺዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ኤዶም ከም ልቢ ቅልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።
23 ብዛዕባ ደማስቆ። ሃማትን ኣርጳድን ሐፈራ፡ ክፉእ ወረ ሰሚዔን እየን እሞ፡ መኸኻ። ኣብ ባሕሪ ምሽባር ኰነ፡ ኪሀድኣውን ኣይተኻእሎን።
24 ደማስቆ ዛሕተለት፡ ክትሀድም ኢላ ግልብጥ በለት፡ ራዕራዕውን በለት፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ጭንቅን ጻዕርን ሐዛ።
25 እታ ንእድቲ ኸተማ፡ እታ ኸተማ ሓጐሰይ፡ ከመይ ኢላ እያ ዘይተሐድገት?
26 ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያታ ኺወድቁ፡ ኲሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰብኡታ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
27 ኣብቲ መካበብያ ደማስቆ ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱውን ነቲ ኣዳራሽ ቤት – ሃዳድ ሞዂ ኬብሎ እዩ።
28 ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዐሮም መንግስትታት ሃጾርን። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ተለዐሉ፡ ናብ ቄዳር ደይቡ፡ ነቶም ደቂ ምብራቕ ኣጥፍኡ።
29 ድንኳናቶምን መጓሴታቶምን ኪወስዱ፡ ምንጻፋቶምን ኲሉ ኣቓሑኦምን ኣግማሎምን ኪዘምቱ እዮም። ኣብ ኲሉ ወገን ምሽባር ኣሎ፡ እናበሉ ኪጭድሩሎም እዮም።
30 ኣቱም ኣብ ሃጾር እትነብሩ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ምኽሪ መዲቡልኩም፡ ህቃነ ሀቂኑልኩም ኣሎ እሞ፡ ህደሙ፡ ቀልጢፍኩም ርሐቑ፡ ኣዕሚቚኩም ተሐብኡ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
31 ነቲ ጥዒምዎም ሀዲኡን ዚነብር፡ መዓጹን መሸጐርን ዜብሉ፡ ብሒቱ ዚነብር ህዝቢ ተልዐልዎን ደይብዎን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
32 ኣግማሎም ዘመተ ኪዀና፡ ብዝሒ ኸብቶም ከኣ ምርኮ ኪኸውን እዩ። ንዂሎም እቶም ወሰነወሰን ጭሕሞም ዚላጽዩ ኣብ ኲለን ንፋሳት ክብትኖም፡ ካብ ኲሉ ወገኖም ድማ መዓት ከምጽኣሎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
33 ሃጾር መሳፍሮ ወኻሩ ኽትከውን፡ ንሓዋሩ ኽትባድም እያ፡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ።
34 እቲ ኣብቲ መጀመርታ መንግስቲ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ብዛዕባ ዔላም ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
35 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ኣውራ ሓይሉ ዝዀነ ቐስቲ ዔላም ክሰብሮ እየ።
36 ንዔላም ካብ ኣርባዕተ ወሰን ሰማይ ኣርባዕተ ንፋሳት ከውርደላ እየ፡ ናብ ኲለን እዘን ንፋሳት ክዘርዎም እየ። ህዱማት ዔላም ዘይኣትውዎ ህዝቢ ኣይኪህሉን እዩ።
37 ንዔላም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ከርዕዶም፡ መዓት እቲ ጓህሪ ቚጥዓይ ከውርደሎም፡ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከኣ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰድድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
38 ዝፋነይ ከኣ ኣብ ዔላም ክተክል፡ ንጉስን መሳፍንትን ድማ ካብአ ኸጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር
39 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ኪኸውን እዩ፡ ንምርኮ ዔላም ክመልሶ እየ። ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡
2 ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉን፡ ከይሐባእኩም ከኣ፡ ባቢሎን ተታሕዘት፡ ቤል ነወረ፡ መሮዳክ ተሰባበረ፡ ምስልታቱ ነወረ፡ ጣኦታቱ ኸኣ ተሰባበረ፡ ኢልኩም ኣውጁ።
3 ህዝቢ ኻብ ሰሜን ተንሲእዋ ኣሎ እሞ፡ ንሃገራ በረኻ ኺገብራ እዩ፡ ኣብኣ ዚነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ፡ ሰብን ከብትን ሀዲሞም ሃው በሉ።
4 በተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትን ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶምን ደቂ ይሁዳን ሐቢሮም ኪመጹ እዮም፡ እናበኸዩ ኪኸዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኪደልዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
5 መገዲ ጽዮን ኪሐቱ፡ ገጾም ናብኣ ኣቕኒዖም ከኣ፡ ንዑናይ፡ ብዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምስ እግዚኣብሄር ሕበሩ፡ ኪብሉ እዮም።
6 ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓ።
7 ዝረኸብወን ዘበሉ ዂሎም በልዕወን። ጸላእቶም ድማ፡ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ማሕደር ጽድቂ፡ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ኣቦታቶም ዐጊቦም እዮም እሞ ንሕናስ ኣይበደልናን፡ በሉ።
8 ካብ ማእከል ባቢሎን ሀደሙ፡ ካብ ሃገር ከለዳውያን ወጹ፡ ኣብ ቅድሚ መጓሰ ድማ ከም ድቤላታት ኩኑ።
9 እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሃገር ሰሜን ንባቢሎን ናይ ዓበይቲ ህዝብታት ኣኼባ ኸተንስኣላን ከውጽኣላን እየ እሞ፡ ንሳቶም ንውግእ ኪስለፉላ እዮም፡ ካብዚ ወገን እዚ ኸኣ ክትተሐዝ እያ። ፍላጻታቶም ከምቲ ናይ ንፉዕ ተዋጋኢ እዩ፡ ሓንቲ እዃ ብኸንቱ ኣይትምለስን እያ።
10 ምድሪ ከለዳውያን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፡ ኲላቶም ዘመትታ ድማ ከጸግቡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11 ኣቱም ዘመትቲ ርስተይ፡ እንተ ተሐጐስኩምን እንተ ተፈሳህኩምን እኳ፡ ኣብ ዓውዲ ኸም ዜኽዳ ኣሩሕ እኳ እንተ ተሰራሰርኩም:ከም ብርቱዓት ኣፍራስ ውን እንተ ሐምሐምኩምሲ፡
12 ኣዴኹም ክትንውር፡ እታ ወላዲትኩም ክትሐፍር እያ። እንሆ፡ ንሳ ዳሕረይቲ እቶም ህዝብታት፡ በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ።
13 ብምኽንያት ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብዘላ ኽትባድም እያ እምበር፡ ድሕርዚ ኣብኣ ዚነብር የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ብባቢሎን ዚሐልፍ ከኣ በቲ ዂሉ ስቓይ ኺስክሓላን ኪፋጽየላን እዩ።
14 ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዂሉኹም፡ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉ። ንእግዚኣብሄር ዐጊባቶ እያ እሞ፡ ወርውሩላ፡ ፍላጻታት ኣይትብቀቑ።
15 ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ኸምዚ ኢልኩም ጨድሩላ፡ ኢዳ ሀበት፡ መንደቕ ዕርዳ ወደቐ፡ ቀጽሪ ፈረሰ፡ እዚ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ሕኔኣ ፍደይዋ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ።
16 ንዘራእን ነቲ ብጊዜ ቐውዒ ማዕጺድ ዚሕዝን ካብ ባቢሎን ኣጽንትዎም። ካብቲ ጨኳኒ ሰይፊ ኼምልጡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይህደም።
17 እስራኤል ኣናብስ ተሃዳዲኖምዋ፡ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር በልዓ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዓጻጽምታ ሰባበረ።
18 ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐጻዕክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐጽዕ እየ።
19 ንእስራኤል ናብቲ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፡ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ኪጓሰ እዩ፡ ነፍሱውን ኣብ ኰረቢት ኤፍሬምን ጊልኣድን ክትጸግብ እያ።
20 ነቶም ዘትረፍክዎምሲ ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እትን ኣበሳ እስራኤል ይድለ ኣይህሉን ከኣ፡ ሓጢኣት ይሁዳውን ኪሰኣን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
21 ናብ ሃገር ሜራታይምን ናብቶም ኣብ ጴኮድ ዚነብሩን ውጻእ እሞ፡ ቅተሎም፡ ነቲ ድሕሪኦም ዘሎ ኸኣ ብጥራስ ኣጥፍኣዮ፡ ብዂሉ ድማ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር፡ ይብል እግዚኣብሄር።
22 ደሃይ ውግእን ዓብዪ ምፍርስን ኣብታ ሃገር ይስማዕ ኣሎ።
23 እዛ ሞደሻ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላኸ ተሰብረትን ተደቚሰትን፡ ከመይ ኢላስ ባቢሎን ኣብ ማእከል ህዝብታት መሰክሒ ዀነት።
24 ኣቲ ባቢሎን፡ መፈንጠራ ኣጻወድኩልኪ፡ ከይፈለጥኪ ኸኣ ተተሐዝኪ። ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ እተዋጋእኪ እሞ፡ ተረኸብክን ተተሐዝክን።
25 እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዜቕንዖ ተግባር ኣለዎ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤት መሳርያኡ ኸፈቶ፡ ኣጽዋር ኲራኡውን ኣውጽኤ።
26 ካብ ወሰናት ምድሪ መጺእኩም ውረርዋ፡ ሪቓ ኽፈቱ፡ ከም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዋ ብጥራስ ከኣ ኣጥፍእዋ፡ ሓንቲ እኳ ኣይተትፍሩ።
27 ንዂሎም ኣረውሓ ቕተልዎም፡ ናብ ማሕረዲ ኣውርድዎም። መዓልቶም፡ እታ ጊዜ መቕጻዕቶም፡ በጺሓ እያ እሞ፡ ወይለኦም።
28 ሕነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ሕነ መቕደሱ ኣብ ጽዮን ኬውርዮስ፡ ድምጺ እቶም ካብ ሃገር ባቢሎን ዝሀደሙን ዘምለጡን ይስማዕ ኣሎ።
29 ንወርወርቲ ቐስቲ፡ ንዂላቶም ቀስቲ ዚግትሩ፡ ንባቢሎን ኪወግእዋ ኣኽትትዎም፡ ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ። ከም ግብራ ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ዂሉ ግበርዋ።
30 ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያት ኺወድቁ እዮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኲሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
31 ኣቲ ትዕቢተኛ፡ እታ ንኣኺ ዝቐጽዓላ ጊዜ፡ እታ መዓልትኺ መጺኣ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ናባኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
32 እቲ ትዕቢተኛ ኺዕንቀፍን ኪወድቕን እዩ፡ ዜተንስኦ ድማ የብሉን፡ ኣብ ከተማታቱ ኸኣ ሓዊ ኽትኵስ እየ፡ ንሱውን ንዂሉ ኸባቢኡ ሞዂ ኬብሎ እዩ።
33 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ብሓባር ጥቑዓት እዮም፡ እቶም ዝማረኽዎም ኲላቶም ከኣ ሐዝዎም፡ ከይሐድግዎም ድማ ኣበዩ።
34 ተበጃዊኦም ብርቱዕ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። ንምድሪ ህድኣት ኪህብ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዘለዉ ኸኣ ኪህውኽሲ፡ ነገሮም ኬቕንዓሎም እዩ።
35 ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታታን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
36 ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጀሃርቲ እዩ እሞ፡ ዓያሱ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑኣ እዩ እሞ፡ ኪፈርሁ እዮም።
37 ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራሳን ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን እዩ እሞ፡ ከም ኣንስቲ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግቦም እዩ እሞ ኪብዝበዙ እዮም።
38 ሃገር ቅሩጽ ምስልታት እያ፡ ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ፡ ኪነጽፍ ድማ እዩ።
39 ስለዚ ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኺነብሩላ፡ ሰገናትውን ኣብኣ ኺሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዚነብር የልቦን፡ ንውሉድ ወለዶውን ኣይክትስራሕን እያ።
40 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ነተን ጐረባብተንን ዝገላበጠን፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
41 እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ይነቕሉ።
42 ቀስትን ኲናትን ይሕዙ፡ ጨካናት፡ ምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ፡ ኣፍራስ ይሰሩ። ኣቲ ጓል ባቢሎን፡ ንውግእ ከም እተዳለወ ሰብኣይ ተሰሊፎም ይመጹኺ ኣለዉ።
43 ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ይሰምዕ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ይልሕልሓ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲውን ጸበባን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ::
44 እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፡ ብኡብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ እተሐርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዚመዓራረየኒ መን እዩ? ቈጸራ ዚገብረለይከ መን እዩ? እቲ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳስ መ እዩ?
45 ስለዚ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፡ ንሃገር ከለዳውያን ዝሐሰበላ ሓሳብን ስምዑ፡ ብርግጽ፡ ነቶም ናእሽቱ መጓሰ ኺጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ኪስክሓሎም እዩ።
46 በቲ ባቢሎን ተታሕዘት ዚብል ደሃይ ከኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ ኣላ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታትውን ጭራሕምራሕ ይስማዕ ኣሎ።

1 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእከል ጸላእተይ ዚነብሩን ዜጥፍእ ንፋስ ከተንስእ እየ።
2 ንባቢሎን ዚምስእይዋ፡ ንሃገራ ኸኣ ዜባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓልቲ መዓት ከኣ ብዂሉ ወገን ኪወርዋ እዮም።
3 እቲ ወርዋሪ ነቲ ቐስቲ ዚግትርን ነቲ ብድርዒ ዜጓብብን ቀስቱ ይገትረሎም። ነቶም ኣጒባዛ ድማ ኣይትንሓፍዎም፡ ንዂሉ ጭፍራኣ ኣጥፍእዎ።
4 ኣብ ሃገር ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡ ኣብ ኣደባባያታ ድማ ውጉኣት ኪወድቁ እዮም።
5 ምንም እኳ ሃገሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እንተ መልኤት፡ እስራኤል ወይስ ይሁዳ ብእግዚኣብሄር፡ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም፡ መበለት ኣይኰኑን።
6 ብሰሪ ዓመጻኣ ኸይትጠፍኡስ፡ ካብ ባቢሎን ህደሙ፡ ነፍሲ ወከፍ ነፍሱ የድሕን። እዚ እቲ ጊዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝገበረቶ ኺፈድያ እዩ።
7 ባቢሎን ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ንብዘላ ምድሪ እተስክር ጽዋእ ወርቂ ነበረት፡ ህዝብታት ካብ ወይና ሰተዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣህዛብ ዐበዱ።
8 ባቢሎን ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፡ ምናልባሽ እንተ ሐወየት ከኣ፡ ነቲ ቓንዛኣ ፈውሲ ኣምጽኡላ።
9 ፍርዲ ኽሳዕ ሰማይ በጽሑ፡ ክሳዕ ደበናውን ደዪቡ እዩ እሞ፡ ንባቢሎን ክነሕውያ ደሌና፡ ግናኸ ኣይሐወየትን። ሕደግዋ፡ ንዑናይ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሃገርና ንኺድ።
10 እግዚኣብሄር ንጽድቅና ኣውጺኡልና እዩ፡ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ጽዮን ነውርዩ።
11 እግዚኣብሄር ሓሳቡ ንባቢሎን ኬጥፍእ ስለ ዝዀነ፡ ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዐሎ። እዚውን ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ሕነ መቕደሱ እዩ እሞ፡ ፍላጻታት ኣብልሑ፡ ዋላቱ ሐዙ።
12 እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ እተናገሮ ኸምቲ ዝሐሰቦ ይፍጽሞ ኣሎ እሞ፡ ኣብቲ መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ ዘብዔኛታት ኣበርትዑ፡ ሓለውቲ ኣቑሙ፡ ኣድቢኹም ተዳለዉ።
13 ኣቲ ብመዛግባት ዝማዕበልኪ፡ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘሎኺ፡ መወዳእታኺ፡ እቲ መስፈር ስስዔኺ በጺሑ እዩ።
14 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ብርግጽ ከም ብኣንበጣ ብሰብ ክመልኣኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪጭድሩልኪ እዮም፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ።
15 ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ በእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ።
16 ድምጺ ምስ ዜስምዕ፡ ኣብ ሰማይ ማያት ይሀምም፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ።
17 ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እዩ እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ።
18 ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም።
19 ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝፈጠረ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።
20 ንስኺ ሞደሻይን ኣጻዋር ውግኤይን ኢኺ። ብኣኺ ህዝብታት ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ መንግስትታት ከጥፍእ እየ።
21 ብኣኺ ፈረስን ፈረሰኛን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዚቕመጥን ክጭፍልቕ እየ።
22 ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ኣረጊትን ቈልዓን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክጭፍልቕ እየ።
23 ብኣኺ ጓሳን መጓሲኡን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሓረስታይን ጽምዲ ኣብዑሩን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ምስለኔታትን መኳንንትን ክጭፍልቕ እየ።
24 ኣነ ኸኣ ንባቢሎንን ንዂሎም እቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዚነብሩን ኲሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ንጽዮን ዝገበርዋ እከይ ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
25 ኣታ ንዂላ ምድሪ እተጥፍእ ከረን ጥፍኣት፡ እንሆ፡ ናባኻ እየ፡ ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ። ዝሐረረ ኸረንውን ክገብረካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
26 ንሓዋሩ በረኻ ኽትከውን ኢኻ እምበር፡ ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይስ እምኒ መሰረት ዚወስድ የልቦን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
27 ሰንደቕ ዕላማ ኣብታ ሃገር ትኸሉ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት መለኸት ንፍሑ፡ ህዝብታት ንውግእ ኣዳልዉላ፡ መንግስትታት ኣራራትን ሚናን ኣሽከናዝን ኣኽትቱላ፡ መኳንንቲ ሽሙላ፡ ጸጓራት ኣንበጣ ዚመስሉ ኣፍራስ ኣደይቡላ።
28 ህዝብታትን ነገስታት ሜዶንን ምስለኔታትን ኲላቶም መኳንንታን ኲላ እታ ሃገር ግዝኣታን ንውግእ ኣዳልዉላ።
29 እቲ፡ እግዚኣብሄር ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ በረኻ ኺገብራ ኢሉ፡ ንባቢሎን ዝኣመመላ ሓሳብ ይፍጸም ኣሎ እሞ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥን ራዕራዕ ትብልን ኣላ።
30 ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሐዲጎም፡ ኣብ ዕርድታቶም ይቕመጡ ኣለዉ፡ ሓይሎም ጠፊኡ ኸም ኣንስቲ ዀኑ። ኣባይታ ብሓዊ ነደደ፡ መሸጐሪኣ ተሰብረ።
31 ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዂሉ ወገን ከም እተታሕዘት ኬውርየሉስ፡ እቲ ሓደ ጐያዪ ነቲ ሓደ የዃልሞ፡ እቲ ሓደ ልኡኽ ከኣ ነቲ ሓደ ልኡኽ የዃልሞ ኣሎ።
32 መሳጋገሪታት ተታሒዙ፡ ሻምብቖ ኸኣ ነዲዱ፡ እቶም ተዋጋእቲውን ሰምቢዶም ኣለዉ።
33 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ጓል ባቢሎን ከም ኣብቲ ወርሓት ዜኺዱሉ ዓውዲ እያ፡ ቅሩብ ጸኒሑ ኸኣ ጊዜ ቐውዒ ኺመጻ እዩ።
34 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን በልዓኒ፡ ጨፍለቐኒ ባዶ ኣቕሓ ገበረኒ፡ ከም ገበል ወሐጠኒ፡ በቲ ጠጥዑመይ ከብዱ መልኤ ሰጐጐኒውን።
35 እታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘላ፡ ንኣይን ንስጋይን እተገብረ ግፍዒ ናብ ባቢሎን ይውረድ፡ ትበል። የሩሳሌም ከኣ፡ ደመይ ናብቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዚነብሩ ዘለዉ ይውረድ፡ ትበል።
36 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽጣበቐልኪ፡ ሕኔኺ ድማ ክፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ኸንጽፎ፡ ንዔላታት ኸኣ ከንቅጾ እየ።
37 ባቢሎን ድማ ኲምራ እምንን መሳፍሮ ወኻሩን፡ ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ መሰክሕን መላገጽን ክትከውን እያ።
38 ሐቢሮም ከም ኣናብስ ኪጓዝሙ፡ ከም ኰራኲር ኣናብስ ከኣ ሕኒን ኪብሉ እዮም።
39 ምስ ተራሰኑ፡ መስተ ከቕርበሎም እየ፡ ኪሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱን ከቶውን ከይነቕሑንሲ፡ ከስክሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
40 ከም ዕያውትን ከም ደዓውልን ድቤላታትን ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።
41 ሼሻኽ ከመይ ኢላ ተታሕዘት፡ እዛ ውዳሰ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላ ተታሕዘት፡ እዛ ውዳሰ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላ ተሳዕረት፡ ባቢሎን ከመይ ኢላ ኣብ ማእከል ህዝብታት መስደመሚ ዀነት።
42 ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፡ ንሳ ብምብርታዕ ማዕበሉ ተኸድነት።
43 ከተማታታ ኸኣ ምድሪ በዳን ንቑጽ ምድርን በረኻን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ፡ ወሉድ ሰብውን ብእኣ ዘይሐልፍ ሃገርን ኰነት።
44 ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐጽዖ፡ ነቲ ዝወሐጦ ድማ ካብ ኣፉ ኸውጽኦ እየ። ድሕርዚ ድማ ህዝብታት ኣብኣ ኣቢሎም ኣይኪውሕዙን እዮም። ቀጽሪ ባቢሎንውን ይወድቕ።
45 ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ወጹ። ካብቲ ጒሁር ቊጥዓ እግዚኣብሄር ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ነፍሱ የድሕን።
46 በዚ ዓመት እዚ ሓደ ወረ ኺውረ፡ በቲ ዳሕራይ ዓመት ድማ ካልእ ወረ ኺውረ፡ ኣብ ሃገር ከኣ ዓመጻ ኺስልጥን፡ ገዛኢውን ኣብ ገዛኢ ኺለዐል እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይምለቚ፡ በቲ ኣብታ ሃገርዚስማዕ ወረ ኸኣ ኣይትፍርሁ።
47 ስለዚ፡ እንሆ፡ ነቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ኲሉ ሃገራ ኸኣ ኪሐፍር እዩ፡ ኲላቶም ቅቱላቱውን ኣብ ማእከል ኺወድቁ እዮም።
48 እቶም መጥፋእቲ ካብ ሰሜን ኪመጽዋ እዮም እሞ፡ ሰማይን ምድርን ኣብኦም ዘሎ ዂሉን ብዛዕባ ባቢሎን እልል ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
49 ከምዚ ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ዘውደቐቶም፡ ከምኡውን ቅቱላት ኲላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ኪወድቁ እዮም።
50 ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ፡ ጠጠው ኣይትበሉ፡ ካብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፡ ንየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ።
51 ጸርፊ ሰማዕና እሞ፡ ሐነኽና፡ ጓኖት ኣብቲ ቅዱስ ስፍራታት ቤት እግዚኣብሄር መጺኦም እዮም እሞ፡ ነውሪ ንገጽና ኣጐልበቦ።
52 ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ነተን ቅሩጽ ምስልታታ ዝቐጽዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ እቶም ንሞት ዜዋልኡ ውጉኣት ከኣ ኣብ ኲሉ ሃገራ ኺበኽዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
53 ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፡ ሓይላ ኸኣ ኣብ ላዕሊ እኳ እንተ ኣጽንዔት፡ መጥፋእቲ ኻባይ ኪመጽዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
54 ጭድርታ ኻብ ባቢሎን፡ ዓብዪ ምፍራስ ካብ ሃገር ከለዳውያን ይስማዕ ኣሎ።
55 እግዚኣብሄር ንባቢሎን የዕንዋ፡ ነቲ ብርቱዕ ደሃይ ድማ ካብኣ የጥፍኦ ኣሎ እሞ፡ ማዕበሎም ከም ብዙሕ ማያት ይሀምም፡ ጭራሕምራሖም ከኣ ይስማዕ ኣሎ።
56 እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣምላኽ ምፍዳይ፡ ብርግጽ መስጣ ዚህብ እዩ እሞ፡ ኣብአ ናብ ባቢሎን መጥፍኢ መጺኡ፡ ጀጋኑኣ ተታሒዞም፡ ቀስትታቶም ተሰባቢሩ እዩ።
57 ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፡ ንምስለኔታታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣንሲ ንሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱን ከቶውን ከይነቕሑን ከስክሮም እየ፡ ይብል እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ።
58 እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ኪፈርስ፡ እቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኺዐዩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኺደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
59 እቲ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ። ሰራያ ኸኣ ሓለቓ ዝፋን ቤት ነበረ።
60 ኤርምያስ ከኣ ንዂሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዚወርድ መዓት፡ ማለት ኲለን እተን ብዛዕባ ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጸሐፈን።
61 ኤርምያስ ድማ ንሰራያ በሎ፡ ኣብ ባቢሎን ምስ ኣቶኻ፡ ኲለን እዘን ቃላት ከተንብበን መዝኻ እዩ፡
62 በልውን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፡ ሰብ ወይስ እንስሳ፡ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፡ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትኸውን ኢልካ ተዛረብካ።
63 ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካያ፡ እምኒ እሰረላ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ እሞ፡
64 ከምዚ ዀይና ባቢሎን በቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት ክትሰጥም፡ መሊሳውን ኣይክትትንስእን እያ፡ ኪደኽሙ ድማ እዮም፡ ኢልካ ተዛረብ። ክሳዕ እዚ ቓላት ኤርምያስ እዩ።

 

1 ጼድቅያስ መንግስቲ ኺጅምር ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌምውን ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ኣዲኡ ሃሚጣል እትበሀል ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።
2 ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ዂሉ ዮኣቂም ዝገበሮ ኽፉእ ገበረ።
3 ኲራ እግዚኣብሄር፡ ካብ ቅድሚ ገጹ ኽሳዕ ዚድርብዮም፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ይሁዳን ከምዚ ዀነ፡ ጼድቅያስ ከኣ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ።
4 ኣብታ ታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ንሱን ኲሉ ሰራዊቱን ኣብ የሩሳሌም መጹ፡ ኣብ ዙርያኣ ሰፈሩ፡ ዕርድታት ሰሪሖም ከኣ ከበብዋ።
5 እታ ኸተማ ድማ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ንንጉስ ጼድቅያስ ተኸቢባ ነበረት።
6 ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ፡ ጥሜት ኣብታ ኸተማ በርትዔ፡ ህዝቢ እታ ሃገርውን እንጌራ ሰኣነ።
7 ከለዳውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ኸለዉ፡ ሽዑ እታ ኸተማ ጋህ ኢላ ተኸፍተት፡ ኲሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ብመንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ወጺኦም ሃደሙ፡ በቲ መገዲ ጐልጐል ከኣ ኸዱ።
8 ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዐብዎ፡ ንጼድቅያስ ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎ፡ ሰራዊቱ ኸኣ ሐዲግዎ ፋሕ በለ።
9 ሽዑ ነቲ ንጉስ ሐዝዎ፡ ናብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምጽእዎ፡ ንሱውን ፍርዱ ተዛረበ።
10 ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንደቂ ጼድቅያስ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሐረዶም፡ ምስናይ እዚ ድማ ንዂሎም መሳፍንቲ ይሁዳ ኣብ ሪብላ ሐረዶም።
11 ንጼድቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፡ ንጉስ ባቢሎንውን ብመቚሕ ነሓሲ ኣሰሮ፡ ናብ ባቢሎን ወሰዶ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ።
12 ኣብታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓት ዓመቱ ናቡዘራዳን፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ባቢሎን ዚቐውም ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።
13 ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ከኣ ኣንደደ፡ ንዂለን ኣባይቲ የሩሳሌም፡ ምናዳ እኳ ነተን ዓበይቲ ኣባይቲ ዘበላ ብሓዊ ኣንደደን።
14 ኲሉ እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ ንዂሉ እቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ መንደቕ የሩሳሌም ኣፍረሶ።
15 ናብዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ካብቶም ድኻታት ህዝብን፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ተረፍ ህዝብን፡ ነቶም ቅድም ናብ ንጉስ ባቢሎን ዝኣተዉ ዓለወኛታትን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ብዙሓትን ማረኾም።
16 ናቡዘራዳን፡ ሓለቓ ዘብዔኛታት ግና ካብቶም ኣዝዮም ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ኪዀኑ ኣትረፎም።
17 ከለዳውያን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ መናብርን ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ንዂሉ እቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
18 ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ጽውኣትን ኲሉ እቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ።
19 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ነቲ ኣጻሕልን ምድጃን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚታት ቀንዴልን ፈናጅልን ጽውኣትን፡ ናይ ወርቂ ዝዀነ ወርቁ፡ ናብ ብሩር ዝዀነ ብሩር ወሰደ።
20 እተን ክልተ ዓንድን እቲ ሓደ ባሕርን እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዘግበሮ መናባር ዝዀነ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ኣስራዝን ወሰዶ። ነዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ መምዘኒ ኣይተረኽበሉን።
21 እተን ኣዕኑድ ከኣ፡ ቁመት ሓንቲኤን ነዘን ኣዕኑድ እዚኣተን ዓሰርተው ሾሞንተ እመት እዩ። ዙርያኣ ድማ ዓሰርተው ክልተ ዝእመታ ፈትሊ እትልክዓ እያ። ምርጓዳ ኣርባዕተ ጻት እዩ፡ ጓንጓውን እያ።
22 ብልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ ኣለዎ፡ ምናሕ ሓደ ጒልላት ድማ ሓሙሽተ እመት እዩ። ዙርያ እቲ ጒልላት ድማ ሓሙሽተ እመት እዩ። ዙርያ እቲ ጒልላት ከኣ ብስራሕ ዓይነርጋብን ሮማንን ክሉል እዩ፡ ኲሉ ድማ ካብ ኣስራዚ እዩ። እታ ኻልኣይቲ ዓንድን እተን ሮማንን ከኣ ከምኣ እየን።
23 እተን ሮማን ብወጻኢ ተስዓን ሹድሽተን እየን። ኲለን እተን ሮማን ኣብ ዙርያ እቲ ዓይነርጋብ ከኣ ሚእቲ እየን።
24 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሰራያ ሊቀ ኻህንን ንጸፋንያ እቲ ኻልኣይ ካህንን ነቶም ሰለስተ ሓለውቲ ደገን ወሰዶም።
25 ካብታ ኸተማ ኸኣ ንሓደ ኣዛዝ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ገጽ ንጉስ ዚርእዩ ሾብዓተ ሰብኡትን፡ ነቲ ህዝቢ እታ ሃገር ንውግእ ዚምልምል ዝነበረ ጻሓፊ ናይቲ ሓለቓ ሰራዊትን፡ ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ስሳ ሰብኡት ካብ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰዶም።
26 ነዚኣቶም ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ወሲዱ ናብ ሪብላ ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምጽኦም።
27 ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ወቕዖም ቀተሎም ድማ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።
28 እቲ ነቡካድነጻር ዝማረኾ ህዝቢ እዚ እዩ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰለስተ ሽሕን ዕስራን ሰለስተን ኣይሁድ፡
29 በታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ንነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ነፍሲ ማረኸ።
30 በታ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንነቡካድነጸር ድማ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ካብ ኣይሁድ ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ማረኸ። ኲሉ እቲ ሰብ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እዩ።
31 ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ዚማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ኤዊል – መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ግዝኣቱ ንርእሲ ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ ልዕል ኣበሎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውጽኦ።
32 ብጽቡቕ ተዛረቦ፡ ንመንበሩ ድማ ካብቲ መንበር እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣቢሉ ኣንበሮ።
33 ክዳን እስራቱ ለወጠ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ኸኣ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ።
34 ምግቡ ድማ ኲሉ ጊዜ ወግሔ ጸብሔ ምሉእ ዕድሚኡ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኻብ ንጉስ ባቢሎን ይመጸሉ ነበረ።።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...