ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ሕዝቅኤል (Ezekiel)

መጽሓፍ ህዝቅኤል ሰለስተ ኽፋላት ዝሓዘት እያ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳይ እየን ዚገልጻ። እቲ ቐዳማይ ክፋል ብዛዕባ ውድቀት የሩሳሌም እዩ ነይሩ ። እቲ ኻልኣይ ክፋል ከኣ መጻኢ እስራኤል ምስ መጻኢ ወጻእተኛታት ኪነጻጸር ከሎ ንወጻእተኛታት ሃገራት እተላእከ ተኸታታሊ መደረታት ዝሓዘ እዩ ። እቲ ሳልሳይ ክፋል ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ንምህናጽን ነታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ግዝኣት እስራኤል እንደገና ንምውዳብን መደብ የቕርብ ።

ትንቢተ ሕዝቅኤል (Ezekiel)

1 ኰነ ድማ፣ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፣ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ኣብ ርባ ኬባር ኣብ ማእከል እቶም ምሩኻት ከሎኹ፣ ሰማያት ተኸፍቱ፣ ራእይ እግዚኣብሄር ርኤኹ።
2 ኣብ ሓምሳይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ ወርሒ ኻብቲ ንጉስ ዮኣቂን እተማረኸሉ ኣብ ሓምሳይ ዓመቱ፣
3 ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ህዝቅኤል ወዲ ኩዚ፣ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፣ ናብ ርባ ኬባር መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረት።
4 እንሆ ኸኣ፣ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፣ ብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፣ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ኪመጽእ ከሎ ርኤኹ። ከም ፊሕፊሕ ዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ።
5 ካብቲ ማእከሉ ኸኣ መልክዕ ኣርባዕተ እንስሳ ወጸ። ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፣ ሰብ የምሰልስሉ።
6 ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮ።
7 ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፣ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም እግሪ ሸኾና ምራኽ ነበረ፣ ከም ርሱን ኣስራዚ ኸኣ ፊሕፊሕ ይብል ነበረ።
8 በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ገጽን ክንፍን ነበሮም።
9 ኣኽናፎም ነንሓድሕደን ግጡማት እየን። ኪኸዱ ኸለዉ ኣይምለሱን፣ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
10 ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ: ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ፣ ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም።
11 ብላዕሊ ኸኣ ገጾምን ኣኽናፎምን ፍሉይ ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፣ እታ ሓንቲ ምስታ ናይቲ ሓደ እትላገብ፣ እተን ክልተ ድማ ንስጋኦም ዚኸድና እየን።
12 ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፣ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፣ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ።
13 ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንጸባርቕን ነበረ፣ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወጽእ ነበረ።
14 እቶም እንስሳ ኸኣ ከም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።
15 እምብኣርሲ ነቶም እንስሳ ኽጥምት ከሎኹ፣ እንሆ፣ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ነንፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገጾም ርኤኽዎም።
16 ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ በሪሎስ ነበረ። ኣርባዕቲኡ ይማሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።
17 ኪኸዱ ኸለዉ፣ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፣ ምስ ዚኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ።
18 እቲ ኽቦም ከኣ ነዊሕን መፍርህን ነበረ። ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ኣዝዋራ ኽቦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።
19 እቶም እንስሳ ኪኸዱ ኸለዉ፣ እቲ መንኰራዅር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፣ እቲ መንኰራዅር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ።
20 ናብቲ እቲ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ነበረ እሞ፣ እቲ መንኰራዅር በብጥቓኦም ሓፍ ይብል፣ ነበረ።
21 መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ስለ ዝነበረ፣ ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ፣ ይኸይድ፣ ንሳቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፣ ደው ይብል፣ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፣ እቲ መንኰራዅር ከኣ በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ።
22 ኣብ ልዕሊ ኣርእስ እቶም እንስሳ ኸኣ ከም ግሩም ዝዀነ ክሪስታል፣ ጠፈር ሰማይ ዚመስል፣ ኣብ ላዕሊ፣ ኣብ ልዕሊ ኣርእስቶም ተዘርጊሑ ነበረ።
23 ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ኣኽናፎም ኣብ መንጽር ነንሓድሕደን ትኽ ኢለን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋኦም ዚኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም።
24 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፣ ደሃይ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፣ ከም ድምጺ እቲ ዅሉ ዚኽእል፣ ደሃይ ታዕታዕ ከም ደሃይ ሰራዊት ሰማዕኩ። ደው ኪብሉ ኸለዉ፣ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።
25 ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምጺ ተሰምዔ። ደው ኪብሉ ኸለዉውን ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።
26 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ።
27 ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ሒዙ ንላዕሊ፣ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኤኹ፣ ኣብ ዝርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ።
28 ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፣ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፣ ድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ።

 

1 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ፣ በለኒ።
2 ኪዛረበኒ ኸሎ ኸኣ፣ መንፈስ ኣተወኒ፣ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፣ ነቲ ዚዛረበኒውን ሰማዕክዎ።
3 በለኒውን፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ናብ ደቂ እስራኤል፣ ናብቶም ካባይ ዝዐለዉ ዓለወኛታት ህዝብታት እልእከካ ኣሎኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተጻሪሮምኒ ኣለዉ።
4 ናብ እዞም ገጾም ዝተረረ፣ ልቦም ዝሐረነ ደቂ እሰደካ ኣሎኹ። ንስኻ ድማ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በሎም።
5 ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፣ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።
6 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንእኦም ኣይትፍርሃዮም፣ ንቓላቶም ከኣ ኣይትፍርሃዮ፣ ምንም እኳ ምስ ኣምዔን እሾዅን እንተ ዀንካ፣ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ኽነስኻስ፣ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፣ ገጾምውን ኣየሰምብድካ።
7 ዓለውቲ እዮም እሞ፣ እንተ ሰሚዖምኻ፣ እንተ ኣብዮምኻ፣ ቃለይሲ ንገሮም ደኣ።
8 ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፣ ዝብለካ ዘሎኹ ስማዕ። ከምታ ዓላዊት ቤት ዓላዊ ኣይትኹን፣ ኣፍካ ኽፈት፣ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ ድማ ብልዓዮ።
9 ጠመትኩ እሞ እንሆ፣ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ፣ እንሆውን፣ ኣብኣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነበረት።
10 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ገንጸላ፣ ብውሽጣ ብግዳማን ተጽሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን ተጽሒፍዋ ነበረ።

1 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ዝረኸብካዮ ብላዕ። ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብልዓያ፣ ኬድካ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም፣ በለኒ።
2 ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፣ ንሱውን ነታ ጥቕላል ኣብለዓኒ።
3 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ከብድኻ ኣጽግብ፣ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮ፣ በለኒ። ሽዑ በላዕክዋ፣ ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዐመት።
4 በለኒ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ ብቓላተይ ከኣ ተዛረቦም።
5-6 ናብ ቤት እስራኤል እምበር፣ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዐል፣ ዘረባኦም ዝኸቢድ፣ ቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለኣኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፣ ምሰምዑኻ ነይሮም።
7 ግናኸ ኵሉ ቤት እስራኤል፣ ግምባሮም ተሪር፣ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፣ ቤት እስራኤልሲ ኺሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝዀኑ፣ ንኣኻ ኣይኪሰምዑኻን እዮም።
8 እንሆ፣ ንገጽካ ኣንጻር ገጾም ኣትሪረዮ፣ ንግምባርካውን ኣንጻር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ።
9 ግምባርካ ኸም ኣልማዝ፣ ካብ ብላድ ዚብርትዕ ገይረዮ፣ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣይትሰምብድ።
10 መሊሱውን በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንዅሉ እቲ ዝነግርካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፣ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ።
11 ናብቶም ምሩኻት፣ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፣ እንተ ኺሰምዑኻ፣ እንተ ኺኣብዩኻ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፣ ኢልካ ንገሮምን በሎምን።
12 እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዓለኒ፣ ብድሕረይ ድማ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ፣ ዚብል ብርቱዕ ደሃይ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኩ።
13 ኣነ ኸኣ ህማም እቲ ነንሓድሕዱ ዚጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን ደሃይ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኩ።
14 እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዐለኒ ወሰደኒውን። ብዅራ መንፈሰይ መሪሩኒ ኸድኩ፣ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ በርቲዓ ኣብ ልዕለይ ነበረት።
15 ናብቶም ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ኣብ ቴል-ኣቢብ ዝነበረኡ ምሩኻት፣ ናብቲ ዚነብሩሉ ዘለዉ ኸኣ መጻእኩ። ኣብኡውን እናኣስቈርቈርኩ፣ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ማእከሎም ተቐመጥኩ።
16 ኰነ ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
17 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም።
18 ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ ምስ በልክዎ፣ እንተ ዘይመዐድካዮ፣ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፣ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፣ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
19 ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ።
20 ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፣ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፣ ኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮ፣ ብሓጢኣቱ ኺመውት፣ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
21 ንስኻ ግና፣ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፣ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።
22 ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብኡ ኣብ ልዕለይ መጸት እሞ፣ ተንስእ፣ ናብ ጐልጐል ውጻእ፣ ኣብኡ ምስኻ ኽዛረብ እየ፣ በለኒ።
23 ሽዑ ተንሲኤ ናብ ጐልጐል ወጻእኩ። እንሆ ኸኣ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ኽብሪ፣ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ። ብገጸይውን ወደቕኩ።
24 እቲ መንፈስ ከኣ ኣተወኒ፣ ብእግረይ ድማ ደው ኣበነሊ እሞ፣ ኪድ ኣብ ቤትካ ተዐጾ፣ ኢሉ ተዛረበኒ።
25 ኣታ ወደ ሰብ፣ እንሆ፣ መእሰሪ ኺገብሩልካን ኪኣስሩኻን እዮም፣ ኣብ ማእከሎም ድማ ኣይክትውጽእን ኢኻ።
26 ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ምእንቲ ኽትዕበስን፣ ዘላፊኦም ከይትኸውንንሲ፣ ልሳንካ ኣብ ትንሓግካ ኸጥብቕ እየ።
27 ምስ ዝዛረበካ ግና፣ ንኣፍካ እኸፍቶ፣ ንስኻውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ክትብሎም ኢኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ዚሰምዕ ይስማዕ፣ ዚኣቢውን ይእበ።

 

1 ንስኻ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ጡብ ውሰድ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣንብሮ እሞ ከተማ፣ ማለት የሩሳሌም ሰኣለሉ።
2 ክቢ ኽበባ፣ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ስራሕ፣ ዕርዲ ዕረዳ፣ ሰፈር ኣስፍረላ፣ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ደዐውል ግበር።
3 ንስኻ ኸኣ መቝሎ ሓጺን ወሲድካ፣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን ከም መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፣ ክብብቲ ትኹን፣ ክበባውን። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።
4 ደሓን ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፣ ኣብኡውን ንኣበሳ ቤት እስራኤል ኣንብሮ፣ ክንዲ ቝጽሪ እተን በጥ እትብለለን መዓልትታት ከኣ ኣበሳኦም ክትጸውር ኢኻ።
5 ኣነ፣ ድማ ዓመታት ኣበሳኦም ብቝጽሪ መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ገይረልካ ኣሎኹ። ንስኻውን ኣበሳ ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ።
6 እዚ ምስ ኣእከልካ ኸኣ፣ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐድንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፣ ነርብዓ መዓልቲውን ኣበሳ ቤት ይሁዳ ኽትስከም ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣሎኹ።
7 ገጽካን እቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካን ናብታ ኽብብቲ የሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ።
8 እንሆ፣ ብገመድ ቀጥ ኤብለካ፣ ነተን መዓልትታት ምኽባብካ ኸየእከልካየን ከኣ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብታ ሓደ ጐድንኻ ኣይክትግልበጥን ኢኻ።
9 ንስካ ስርናይና ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ወሰድ፣ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፣ ካብኡ እንጌራ ሰንክት፣ ብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቅሰለን መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ካብኡ ኽትበልዕ ኢኻ።
10 እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሲቃል ይኹን። ካብ ጊዜ ኽሳዕ ጊዜ ኽትበልዖ ኢኻ።
11 ማይውን ብመሰፈሪ፣ ሳድሰይቲ ኣፍ ሂን ክትሰቲ ኢኻ። ካብ ጊዜ ክሳዕ ጊዜ ኽትሰትዮ ኢኻ።
12 ኣብ ቅድሚኦም ብውጽኣት ግዳም ሰብ ኣብሲልካ፣ ኣብኡ ኸም ቅጫ ስገም ክትበልዖ ኢኻ።
13 እግዚኣብሄር ከኣ፣ ደቂ እስራኤልሲ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣነ ናብኦም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኰይኖም፣ ከምኡ ርኹስ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም፣ በለ።
14 ሽዑ ኣነ፣ ወዮ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እንሆ፣ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኩን፣ ፍንፉን ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን፣ በልኩ።
15 ንሱ ኸኣ፣ እንሆ፣ ኣብ ክንዲ ውጽኣት ግዳም ሰብሲ ዒባ ማል እህበካ ኣሎኹ፣ ብእኡ ጌርካ እምጌራካ ኸተብስል ኢኻ፣ በለኒ።
16-17 መሊሱውን፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንሆ፣ ኣብ የሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ኪስእኑ እዮም እሞ፣ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ዀይኖም ኪሰትይዎ ኪትክዙ፣ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ኪተፍኡ እዮም፣ በለኒ።

 

1 ንስኻ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ፣ ከም መላጸ ላጸዪ ዝበለ ውሰድ እሞ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸየሉ። ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ጸጕሪ ምቐሎ።
2 መዓልትታት ምኽባብ ምስ ተፈጸመ፣ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንደዶ። ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፣ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፣ ኣነ ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽመልሕ እየ።
3 ካባታተን ከኣ ሒደት ዝቝጽረን ወሰድ እሞ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛጽረን።
4 ካብ እዚኣተን ከኣ መሊሰካ ውሰድ፣ ኣብ ማእከል ሓዊ ድማ ደርብየን፣ ብሓዊውን ኣንድደን፣ ካብዚ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኺወጽእ እዩ።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እዚኣስ የሩሳሌም እያ። ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣንበርክዋ፣ ሃገራትውን ኣብ ከባቢኣ ኣሎ።
6 ንፍርደይ ንዒቖም፣ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፣ ንሳ ብረሲእነት ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተጻረረቶ፣ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገር ገዲዳ ድማ ንሕጋጋተይ ኣፍረሰቶ።
7 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህብዝታት ገዲድኩም ስዲ ስለ ዝዀንኩምን ከም ሕጋጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘገበርኩምንሲ፣
8 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ እመጻኪ ኣሎኹ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከኣ ኣብ ማእከልኪ ፍርዲ ኸውጽእ እየ።
9 ብሰሪ ዅሉ ጽያፍኪ ኸኣ፣ ገይረዮ ዘይፈልጥ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ዘይገብሮ፣ ክገብረኪ እየ።
10 ስለዚ ኣብ ማእከልኪ ወለዲ ንውሉዶም፣ ውሉድ ድማ ንወለዶም ኪበልዑ እዮም። ፍርዲ ኣባኺ ኽፍጽሞ ፣ዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።
11 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል ኣሎ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ብርግጽ ንመቕደሰይ ብዅሉ ፍንፉን ነገርክን ብዅሉ ጽያፍክን ኣርከስክዮ፣ ስለዚ ኣነ ድማ ከንእሰኪ፣ ዓይነይ ብዘይ ድንጋጽ ካባኺ ኽመልስ ኣይክምሕረክንውን እየ።
12 ሲሶኺ ብፌራ ኺሞቱ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ብጥሜት ኪውድኡ እዮም፣ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ: ነቲ ሓደ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፣ ደድሕሪኦምውን ሰይፈይ ክመልሕ እየ።
13 ኵራይ ሃንኡ ኺወጽእ፣ ነድረይ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝሕል እዩ፣ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ። ነድረይ ኣባታቶም ምስ ኣዝሐልኩ፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብጸዓተይ ከም እተዛረብኩ ኺፈልጡ እዮም።
14 ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ህዝብታትን ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዚሐልፋ ዅላቶምን ከኣ ምድረ በዳን መጻረፍን ክገብረኪ እየ።
15 ብዅራን ብነድርን ብመዓት ነድርን ምስ ፈረድኩኺ፣ እዚ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት ንመጻረፍን ንመላገጽን ንመለበምን ንመሰክሕን ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ።
16 ንጥፍኣቶም ዚኸውን ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላጻ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፣ ምእንቲ ኼጥፍኣኩም ክሰዶ እየ፣ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፣ ንምርኩስ እንጌራኹምውን ክሰብሮ እየ።
17 ጥሜትን ንደቅኹም ዚቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፣ ፌራን ደምን ከኣ ብማእከልኪ ኺሐልፍ እዩ፣ ሰይፊውን ከተንስኣልኪ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን፣
3 በልውን፣ ኣትን ኣኽራን እስራኤል፣ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዅርባታትን ንሽንጭሮታትን ንለሴታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እኔኹ ኣነ፣ እወ ኣነ ሰይፊ ኸምጽኣልኩም፣ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ።
4 መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፣ እቲ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪሰባበር፣ ነቶም ውጕኣትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣኦታትኩም ከውድቖም እየ።
5 ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ከንብሮ፣ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ክዘርዎ እየ።
6 መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኺባድምን ኪዖኑን፣ ጣኦታትኩም ከኣ ኪስበርን ኪጠፍእን፣ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም፣ ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ዘበለስ እተን ከተማታት ኪዖንዋ እየን፣ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከኣ ኪፈርስ እዩ።
7 ተወጊኦም ዚሞቱ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፣ ንስኻትኩም ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8 ኣብ ሀሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ሓያሎ ኺህልዉኹም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ትርፊ ኽሐድገልኩም እየ።
9 እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከኣ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፣ ነተን ኪዝምዋ ደድሕሪ ጣኦታቶም ዚኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፣ ኣብቲ ዘማረኽክዎም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኰይኖም ኪዝክሩኒ እዮም። በቲ ብዅሉ ጽያፎም ዝገበርዎ እኩይ ከኣ ንርእሶም ኪፍንፍኑ እዮም።
10 ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም። እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እየ ኢለ እተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኰነን።
11 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪወድቁ እዮም እሞ፣ ብኢድካ ኣጣቕዕ፣ ብእግርኻ ኸኣ ኰርደብደብ በል፣ ብዛዕባ ናይ ቤት እስራኤል ኵሉ እኩይ ጽያፍ ድማ፣ ኣየ፣ ወዮ፣ በል።
12 እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኺመውት፣ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ብፌራ ኺወድቕ፣ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ። በዚ ኸምዚ ቍጥዓይ ኣብታቶም ክፍጽም እየ።
13 እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእከል ጣኦታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዅድዅዶታት፣ ኣብ ዅሉ ርእሲ ኣኽራን፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቈጽሊ ዘለዎ ኣውሒ፣ ኣብ ማእከል እቲ ንዅሎም ጣኦታቶም ጥዑም መኣዛ ዝዐጠኑሉ ስፍራ ምስ ኰነ፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
14 ኣነ ኸኣ ኢደይ ክዝርግሓሎም እየ፣ ነታ ሃገር ድማ፣ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፣ ካብ በረኻ ዲብላታ እትገድድ ባዶን ጽምዋን ክገብራ እየ። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሃገር እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፣ መወዳእታ፣ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገርሲ መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ።
3 ሕጂ መወዳእታ ኣባኺ መጸ፣ ቍጥዓይ ድማ ክሰደልኪ፣ ከም መገድኺ መጠን ክፈርደኪ፣ ኵሉ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።
4 ዓይነይ ኣይኪንሕፈክን ኣነውን ኣይክርሕርሓልክን፣ ኣነስ መገድኺ ደኣ ኣብ ልዕሌኺ ኼምጻልኪ እየ፣ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ መዓት፣ በይኑ ዝዀነ እኳ ደኣ መዓት እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ።
6 መወዳእታ መጸ፣ እቲ መወዳእታ መጸ፣ ተላዕለኪ፣ እንሆ ይመጽእ ኣሎ።
7 ኣታ ኣብ ሃገር ኣትነብር ዘሎኻ፣ ተራኻ መጸካ። እቲ ጊዜ ብጽሔ፣ እልልታ ኣብ ኣኽራን ዘይስምዓላ መዓልቲ ዕግርግር ቐረበት።
8 ሕጂ ብቕልጡፍ ነድረይ ክኽዕወልኪ፣ ሃና ቝጥዓይ ከኣ ክወጸልኪ፣ ከም መጠን መገድኺ ድማ ክፈርደኪ፣ ንዅሉ ጽያፍኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርዶ እየ።
9 ዓይነት ኣይኪንሕፍን እዩ፣ ኣነውን ኣይክርሕርሕን፣ ኣነስ ከም መጠን መገድኺ ኸምጽኣልኪ እየ፣ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዚወቅዕ ዘሎስ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
10 እንሃ እታ መዓልቲ እንሃ መጸት። ተራኺ በጽሔ። እታ ሸቦጥ ዐምበበት፣ ትዕቢት ከኣ ጠጥዔ።
11 ዓመጻስ ሸቦጥ ረሲእነት ኰይና ተላዕለት። ካባታቶም ሓደ እኳ የልቦን፣ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኦምን ዚተርፍ ሓደ እኳ የልቦን።
12 ዘመን በጺሑ፣ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ። ጕሁር ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፣ ዚሻየጥ ኣይተሐጐስ፣ ዚሸይጥውን ኣይጕሄ።
13 እቲ ዚሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፣ ናብቲ ዝሸጦ ኣይኪምለስን እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝዀነ ራእይ ንድሕሪት ኣይኪምለስን እዩ እሞ፣ ብዓመጽ ዚነብርሲ ንህይወቱ ዜጽንዓ ሓደ እኳ የልቦን።
14 መለኸት ተነፍሔ፣ ኵሉ ኸኣ ተዳለወ፣ ቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ዝህቦም ኣሎ እሞ፣ ኣብ ውግእ ዚኸይድ ሓደ እኳ የልቦን።
15 ኣብ ወጻኢ ሰይፊ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ፌራን ጥሜትን ኣሎ። እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ኪውሕጦ እዩ።
16 እቶም ካባታቶም ዘምለጡ ግና ከምተን ርግብታት ሽንጭሮ፣ ነፍሲ ወከፍ ብኣበሳኦም እናቘዘሙ፣ ኣብ ኣኽራን ኪዀኑ እዮም።
17 ኵለን ኣእዳው ኪሕለላ፣ ኵለን ኣብራኽ ድማ ከም ማይ ከፈሳ እየን።
18 ከሊ ኺዕጠቑ፣ ራዕዲ ኪኽደኑ፣ ኵሉ ገጽ ብሕንኪ ኺጕልበብ፣ ኵሉ ርእስታቶም ድማ ኪበርሕ እዩ።
19 ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዮ፣ ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን ናይ ሓጢኣቶም እምኒ መዓንቀፊ ስለ ዝዀነ፣ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ኣይተኻእሎን፣ ንጥሜቶም ኣይኬጽግቦን፣ ንኸብዶምውን ኣይኪመልኣሎምን እዩ።
20 መልክዕ ስልማቶም ንትዕቢት ኰኖም፣ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዜፈንፍኑ ጣኦታቶምን ገበሩሉ። ስለዚ ኣነ ንኣታቶም ንርኽሰት ገበርክዎ።
21 ዘመተ ኪኽውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፣ ምርኮ ኪኸውን ከኣ ንረሲኣን ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም።
22 ካባታቶም ገጸይ ክመልስ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ንመዝገበይ ኬርክስዎ፣ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኬርክስዎ እዮም።
23 እዛ ሃገር እዚኣ ቅትለተ ደመ ነፍሲ መሊኣ ኣላ፣ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓምጽ መሊእዋ እዩ እሞ፣ ሞቝሕ ኣዳሉ።
24 ነቶም ኣዝዮም ሕሱማት ካብ ህዝብታት ከምጽእ እየ እሞ፣ እዚኣቶም ኣባይቶም ኪወርሱ እዮም። ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፣ መቓድሶም ከኣ ኪረኽሳ እየን።
25 ጥፍኣት ይመጽእ ኣሎ፣ ንሳቶም ከኣ ሰላም ኪደልዩ እዮም፣ ኣይርከብን ከኣ።
26 መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ኪመጽእ፣ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ኪኸውን እዩ። ካብ ነብዪ ራእይ ኪደልዩ፣ ግናኸ ሕጊ ኻብ ካህን፣ ምኽሪውን ካብ ኣረገውቲ ኺጠፍእ እዩ።
27 እቲ ንጉስ ኪትክዝ፣ እቲ መስፍን ድማ ሓዘን ኪኸደን፣ ኣእዳዉ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ራዕራዕ ኪብል እዩ። ከም መጠን መገዶም ክፈድዮም፣ ከከም ዚግብኦም ከኣ ክፈርዶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።

 

1 ኰነ ድማ፣ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመት፣ ኣብታ ሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ኣብ ቤተይ ተቕሚጠ ኸሎኹ፣ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፣ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት።
2 ሽዑ ርኤኹ፣ እንሆ፣ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ፣ ካብቲ ምስሊ ሕቝኡ ንታሕቲ ሓዊ፣ ካብ ሕቝኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዜንጸባርቕ ኣስራዝን ዚመስል እዩ።
3 ንሱ ኸኣ ኢድ እትመስል ዘርግሔ፣ ብጸጕሪ ርእሰይ ድማ ሐዘኒ፣ መንፈሰውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዐለኒ፣ ብራእይ ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም ወሰደኒ፣ ናብቲ ውሽጣዊ ኣጻድ፣ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ኣፍደገ፣ ናብቲ እቲ ንቕንኣት ዜለዓዕል ምስሊ ቕንኣት ዝነበሮ ኣምጽኣኒ።
4 እንሆ ኸኣ፣ ከምቲ ኣብ ጐልጐል ዝርኤኽዎ ትርኢት፣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።
5 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል፣ በለኒ። ኣነ ድማ፣ ኣብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ። እንሆ ድማ፣ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፣ እቲ ምስሊ ቕንኣት ነበረ።
6 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ትርኢዶ ኣሎኻ∶ ኣነ ካብ ቤት መቕደሰይ ምእንቲ ኽርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ጽያፍዶ ትርኢ ኣሎኻ∶ ኤረ ገና ካብዚ ዚዐቢ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፣ በለኒ።
7 ንሱ ኸኣ ናብ ደገ እቲ ኣጻድ ወሰደኒ፣ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ርኤኹ።
8 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ፣ በለኒ። ነቲ መንደቕ ምስ ኵዓትክዎ ድማ፣ እንሆ፣ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
9 ንሱውን፣ እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ሕሱም ጽያፍ ርኣዮ፣ በለኒ።
10 ኣቶኹን ርኤኹን፣ እንሆ ኸኣ፣ ብዙሕ ምስሊ እቶም ዜጸይፉ ለመም ዚብሉን ርኹሳት እንስሳን ኵሎም ጣኦታት ቤት እስራኤልን ኣብ ወሰነወሰን እቲ መንደቕ ተስኢሉ ነበረ።
11 ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰብዓ ሰብኣይ ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፣ ኣብ ማእከሎም ድማ የኣዛንያ ወዲ ሻፋን ቈይሙ፣ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ጽንሃህ ሒዞም፣ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መኣዛ ዕጣንውን ዑብ ኢሉ ወጸ።
12 ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ኣይርእየናን፣ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ እዩ፣ ኢሎምሲ፣ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጸልማት ኣብ ሸሽር ጓና ምስልታቶም ኰይኖም ዚገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣሎኻ∶በለኒ።
13 ንሱ ኸኣ፣ ኤረ ካብዚ ዚገድድ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፣ በለኒ።
14 ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ።
15 ሽዑ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ርኢኻዮዶ∶ ገና ካብዚ ዚገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ፣ በለኒ።
16 ናብቲ ውሽጣዊ ኣጻድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፣ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ነበሩ። ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።
17 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ ርኢኻዶ∶ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋ፣ መመሊሶም ድማ ኵራይ ዘለዓዕሉስ፣ ቤት ይሁዳ እዚ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍዶ ውሒድዎም እዩ∶ እንሆ፣ ንሳቶም ጨንፈር ኣብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ፣ በለኒ።
18 ስለዚ ኣነ ድማ ብነድሪ ኽገብር እየ፣ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፣ ኣይክርሕርሕን ከኣ እየ፣ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ጨርሑ እኳ ኣይክሰምዖምን እየ።

 

1 ኣብ ኣእዛነይ ከኣ፤ እቶም ነታ ኸተማ ዚቕጽዑስ፣ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዜጥፍኣሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፣ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ።
2 እንሆ ድማ፣ ሹድሽተ ሰብኣይ፣ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዚቐትለሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ካብቲ መገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ላዕላይ ደገ መጹ። ሓደ ሰብኣይ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፣ ናብ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዘለዎ፣ ኣብ ማእከሎም ነበረ። ኣትዮም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ።
3 ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፣ ካብ ልዕሊ ኩሩቤል ተላዕለ፣ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፣ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ጸውዖ።
4 እግዚኣብሄር ከኣ፣ ብማእከል፣ ከተማ ብማእከል የሩሳሌም ሕለፍ እሞ ነቶም ዚጕህዪን ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጉህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም፣ በሎ።
5 ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ ነቶም ካልኦት በሎም፣ ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሐሊፍኩም ውቕዑ፣ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትንሐፍ ኣይትራሕርሑውን።
6 ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጉባዝን ንጕረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉ፣ ኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም። ንሳቶም ከኣ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረገውቲ ጀመሩ።
7 ንሱ ድማ፣ ናታ ቤት ኣርክስዋ፣ ነቲ ኣጻዳት ከኣ ብምዉታት ምልእዎ፣ ውጹ፣ በሎም። ንሳቶም ወጹ ኣብታ ኸተማውን ይወቕዑ ነበሩ።
8 ኰነ ድማ፣ ኪወቕዑ ኸለዉ፣ ኣነ ተረፍኩ። ብገጸይ ወደቕኩ እሞ፣ ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ኵዒኻዶ፣ ንዅሎም ትርፎፍያ እስራኤል ከተጥፍኦም ኢኻ∶ ኢለ ጨራሕኩ።
9 ንሱ ድማ በለኒ፤ ኣበሳ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ፣ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርእን እዩ፣ ይብሉ ኣለዉ እሞ፣ እታ ሃገር ብደም፣ እታ ኸተማውን ብዓመጽ መሊኤን ኣለዋ።
10 ስለዚ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፣ ኣነ ኣይክርሕርሕን፣ መገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።
11 እንሆ ኸኣ፣ እቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እኸድነ፣ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቑኡ ዝነበሮ፣ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ፣ ኢሉ ጸብጻቡ ሀበ።

1 ሽዑ ጠመትኩ፣ እንሆ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለዎም ጠፈር፣ ከም እምኒ ሰፊሮስ፣ ትርኢት ዝፋን ዚመስል ኣብ ልዕሊኦም ተገልጸ።
2 ንሱ ኸኣ ነቲ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፣ ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፣ ካብቲ ኣብ ማእከል ኩሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፈሓም ድማ በእዳውካ ሐፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ንዝሐዮ፣ ኢሉ ተዛረበ። ንሱውን እናርኤኽዎ ኣተወ።
3 እቲ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ፣ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ።
4 ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዕለ ናብ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። እታ ቤት ድማ ብደበና መልኤት፣ እቲ ኣጸድውን ብባና ኽብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ።
5 ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ፣ ከም ድምጺ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ዀይኑ፣ ክሳዕ እቲ ግዳማዊ ኣጸድ ተሰምዔ።
6 ኰነ ኸኣ፣ ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣቲዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፣ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፣ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፣ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፣ ንሱ ኣተወ ኣብ ጥቓ መንኰራዅር ድማ ቘመ።
7 እቲ ኪሩብ ድማ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፣ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ድማ ኣንበሮ። ንሱውን ተቐቢልዎ ወጸ።
8 ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ ኢድ ሰብ ዚመስል ተራእየ።
9 ጠመትኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ። ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም ሕብሪ እምኒ ክሪሶሊት ነበረ።
10 ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከኣ ይመሳሰል ነበረ፣ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ።
11 ኪኸዱ ኸልዉ ድማ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፣ ምስ ዚኸዱ ኸኣ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘበሎ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፣ ኪኸዱ ኸለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ።
12 ኵሉ ስጋኦምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዅርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዅሮምን ብዅሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ፣
13 ነቲ መንኰራዅር ከኣ፣ ኣነ እናሰማዕኩ፣ ኣንኰርኰርቲ ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ።
14 ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፣ እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፣ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ ገጽ ኣንበሳ፣ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እዩ።
15 እቶም ኪሩቤል ከኣ ተላዕሉ፣ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም።
16 እቶም ኪሩቤል ኪኸዱ ኸለዉ፣ እቲ መንኰራዅር ድማ ጐጐብኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ ኺለዓሉስ ኣኽናፎም እንተ ዘርግሑ፣ እቲ መንኰራዅርውን ካብ ጥቓኦም ኣየግልስን ነበረ።
17 መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኦም ስለ ዝነበረ፣ እቲኣቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፣ እዚ ድማ ደው ይብል ነበረ፣ እቲኣቶም ኪለዐሉ ኸለዉ፣ እዚውን ይለዓል ነበረ።
18 ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወጸ፣ ኣብ ሊዕሊ ኪሩቤል ከኣ ቘመ።
19 እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ። ኪነቕሉ ኸለዉ ኸኣ፣ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኦም ኰይኑ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተላዕሉ፣ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቘሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
20 እዚኦም ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለሌኽዎም።
21 ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፣ ንነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣክናፎም ከኣ ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም።
22 መልክዕ ገጾም ከምቲ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ገጽ ነበረ፣ ትርኢቶም ከምኡ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ትኽ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።

 

1 መንፈስ ኣልዐለኒ ናብቲ ወገን ምብራቕ፣ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዚርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ደገ ኣፍ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ነበሩ፣ ኣብ ማእከሎም ድማ ነቶም መሳፍንቲ ህዝቢ ያኣዛንያ ወዲ ዓዙርን ፈላጥያ ወዲ በናያን ርኤኽዎም።
2 በለኒ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዚጠልፉ፣ እኩይ ዚመኽሩ ሰባት እዮም።
3 ንሳቶም ድማ፣ ኣይቀረበን፣ ኣባይቲ ንስራሕ፣ ንሳ ድስቲ እያ፣ ንሕና ኸኣ ስጋ ኢና፣ ይብሉ ኣለዉ።
4 ስለዚ ኣንጻሮም ተነበየሎም፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ፣ በለኒ።
5-6 መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፣ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩም፣ ነደባባያታ ኸኣ ብቕቱላት መላእኩማ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ በለኒ።
7 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቶም ኣብ ማእከላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፣ ንሳቶም ስጋ እዮም፣ ንሳ ኸኣ ድስቲ እያ፣ ንስኻትኩም ግና ካብ ማእከላ ኽትወጹ ኢኹም።
8 ሰይፊ ፈራህኩም፣ ሰይፊ ድማ ከምጽኣልኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9 ካብ ማእከላ ኸውጽኣኩም፣ ናብ ኢድ ጓኖት ከኣ ከሕልፈኩም፣ ፍርዲውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ።
10 ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፣ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፣ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
11 እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይክትኰነልኩምን፣ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ማእከላ ስጋ ኣይትኰኑን ኢኹም፣ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ።
12 ንስኻትኩምሲ ፍርዲ ኣቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፣ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፣ ፍርደይ ከኣ ኣይገበርኩምን እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
13 ኰነ ኸኣ፣ ኣነ ኽንበ ኸሎኹ፣ ፈላጥያ ወዲ በናያ ሞተ። ሽዑ ብግምባረይ ተደፊኤ ዓው ኢለ፣ ኣየ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነቶም ትርፎፍያ እስራኤልዶ ብጥራስ ከተጥፍኦም ኢኻ∶ ኢለ ጨራሕኩ።
14 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መጸ፣
15 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ እዮም ነሕዋትካ፣ እወ ነሕውትካ፣ ነቶም ኣዝማድካን ንቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎምን፣ ካብ እግዚኣብሄር ርሐቑ፣ እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ፣ ዝበልዎም።
16 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ናብ ማእከል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሐቕኩዎም፣ ኣብ ማእከል ሃገራትውን እንተ ዘሮኹዎም፣ ኣብቲ ዘዚመጽዎ ሃገራት ንቕሩብ ጊዜ መቕደስ ክዀኖም እየ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም።
17 ስለዚ ድማ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፣ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፣ ሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም።
18 ናብኣ ኸኣ ኪመጹ እዮም፣ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ዜስገድግድ ነገራን ኵሉ ጽያፍን ድማ ካብኣ ኼርሕቕዎ እዮም።
19-20 ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱ፣ ንፍርደይ ከኣ ኺሕልዉን ኪገብርዎን፣ ሓደ ልቢ፣ ኽህቦም፣ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
21 ግናኸ እቶ፣ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ጽያፎምን ዚስዕብሲ፣ መገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
22 ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዐሉ፣ እቲ መንኰራዅር ከኣ ጐጐብኦም ነበረ፣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ላዕሊ፣ ኣብ ሊዕሊኦም ነበረ።
23 ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል እታ ኸተማ ተላዕለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ ኸረን ቈመ።
24 መንፈስ ድማ ኣልዐለኒ፣ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፣ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ካብ ቅድመይ ህልም በለ።
25 ኣነ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ዅሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣሎኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፣ ዘይርእዩ፣ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፣ ዘይሰምዑ እዮም።
3 ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ከም ስደተኛ ካንካ ተበትብ ኣዳሉ እሞ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ተበገስ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፣ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ጕዐዝ።
4 ከምቲ ተበትብ ስደት፣ ንተበትብካ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ኣውጽኣዮ። ከምቲ ንስደት ዚወጽእ ሰብ ኬንካ፣ ኣብ ቅድሚኦም ምሸት ውጻእ።
5 ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፣ ብእኡ ድማ ኣውጽኣዮ።
6 ኣብ ቅድሚኦም ኣብ መንኵብካ ጹሮ፣ ምስ ጸልመተ ድማ ኣውጽኣዮ። ንቤት እስራኤል መመሰሊ ገይረካ እየ እሞ፣ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ከይትርእያ፣ ገጽካ ተዐመት።
7 ከምቲ ዝአዘዘኒ ገበርኩ፣ ንተበትበይ፣ ከም ተበትብ ስደት ገይረ፣ ብመዓልቲ ኣውጻእክዎ፣ ምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፣ ኣብ መንኵበይ ጾይረ ኣብ ቅድሚኦም ኣውጻእክዎ።
8 ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
9 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ቤት ኣስራኤል፣ እዛ ዓላዊት ቤትሲ፣ እንታይ ደኣ እዩ እትገብሮ ዘሎ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን፣
10 እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፣ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፣
11 በለውን፣ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፣ ከምኡ ኺገብርዎም እዮም፣ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።
12 እቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ መስፍን፣ ኣብ መንኵቡ ጸይሩ፣ ምስ ጸልመተ ኺወጽእ እዩ፣ ምእንቲ ኼውጽእዎስ፣ ነቲ መንደቕ ኬንኵልዎ እዮም። ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይርእያ ድማ ገጹ ኺዕመት እዩ።
13 መርበበይ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሓሉ፣ ብመፈንጠራይ ድማ ይተሐዝ። ናብ ባቢሎን፣ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጻኦ እየ፣ ግናኸ ኣብኣ ኺመውት ክነሱስ ኣይኪርእያን እዩ።
14 ንዅላቶም ኪሕግዝዎ ኢሎም ዚኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፣ ሰይፈይ ድማ ደድሕሪኦም ክመዝዝ እየ።
15 ኣብ ማእከል ህዝብታት ምስ ዘሮኽዎምን ኣብ ማእከል ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
16 ካባታቶ ግና ኣብቶም ዚመጽዎም ህዝብታት ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኼዘንትዉስ፣ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ሒዶት ከትርፍ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
17 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
18 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፣ ማይካ ኸኣ ብፍርሃትን ብሰንፈላልን ስተ።
19-20 ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩስሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፣ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኵሎም ኣቶም ዚነብርዋ፣ ምስቲ ኣባኣ ዘሎ ኽትባድም ኣያ እሞ፣ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፣ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፣ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፣ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
21 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
22 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ሃገር እስራኤል፣ ዘመን ይነውሕ፣ ራእይ ዘበለ ዅሉውን ይጠፍእ ኣሎ፣ ኢልኩም ትምስሉስ እንታይ ምስላኡ እዩ እዚ∶
23 ስለዚ በሎም፣ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ መሊሶም ኣይኪምስልዎን እዮም፣ ንስኻ ግና፣ ዘመን መፈጸምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፣ ኢልካ ደኣ ንገሮም።
24 ስለዚ ኣብ ማእከል ቤት ኣስራኤል ድሕርዚ ኸንቱ ራእይን ሓሳዊ ትንቢትን ኣይኪኸውንን እዩ።
25 ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፣ ኣነ እየ ዝዛረብ፣ እቲ ዝዛረቦ ቓል ከኣ ኪፍጸም ኣይኪድንጕን ድማ እዩ። ኣቱም ዓላዊት ቤት፣ ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፣ እገብሮውን ኣሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
26 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
27 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንሆ፣ ቤት እስራኤልሲ፣ እቲ ዚርእዮ ራእይ ንዚመጽእ ነዊሕ ዘመን እዩ፣ ንርሑቕ ዘሎ ግዝያት ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ፣ ይብሉ ኣለዉ።
28 ስለዚ በሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገሮም።

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቶም ዚንበዩ ዘለዉ ነብያት እስራኤልሲ ኣንጻሮም ተነበየሎም፣ ነቶም ካብ ልቦም ሀንዲሶም ዚንበዩ ዘለዉውን፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኢልካ ንገሮም።
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነቶም ገለ ኸይርኣዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ነብያት ወይለኦም፣ ይብል ኣሎ።
4 ኣታ እስራኤል፣ ነብያትካ ኸም እተን ኣብ ምድረ በዳ ዚነብራ ወኻሩ እዮም።
5 በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቈሙስ፣ ናብቲ ፍራስ ኣይወጻእኩምን፣ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቀጽሪ ኣይሰራሕኩምን።
6 እቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፣እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፣ ኢሎም ቃሎም ከም ዚፍጸም ዘተስፍዉ፣ ከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ።
7 ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፣ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፣ እትብሉ ዘሎኹም፣ ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝርኤኹምዎ∶ ትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ∶
8 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኤኹም፣ ስለዚ እኔኹ ተሀንዲደኩም ኣሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9 ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዚርእዩን ሓሶት ዚንበዩን ዘለዉ ነብያት ተጻሪራቶም ኣላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይኪህልዉን፣ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይኪጸሐፉን፣ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይኪኣትዉን እዮም፣ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
10 ሰላም ዜልቦ፣ ሰላም ኣሎ፣ ኢሎም ንህዝበይ ስለ ዘስሐትዎ፣ እወ ስለ ዘስሐትዎ፣ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ፣ እንሆ፣ ንሳቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ይልቕልቕዎ ኣለዉ።
11 ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዚልቕልቕዎስ፣ ኪወድቕ እዩ፣ በሎም። ዚደማስስ ዝናም ኪዘንም እዩ፣ ኣቱም ኣእማን በረድ፣ ክትወድቁ ኢኹም፣ ህቦብላ ንፋስ ከኣ ኬፍርሶ እዩ።
12 እንሆ፣ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፣ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ጸብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይኪብሉኹምን እዮም∶
13 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብነድረይ ህቦብላ ንፋስ ክፍኑ፣ ብዅራይ ድማ ዚደማስስ ዝናም ከዝንም፣ ብነድረይውን ዜጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ።
14 ነቲ ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን ናብ ምድሪ ኸውድቖን እየ። መሰረቱውን ጋህ ኪብል እዩ። ንሱ ኺወድቕ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
15 ነቲ መንደቕን ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕዎን ሃና ነድረይ ከውጽኣሎም እየ።ኣነ ድማ፣ እቲ መንደቕ የሎን፣ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ።
16 ንሳቶም እቶም ብዛዕባ የሩሳሌም ዚንበዩ፣ ሰላም፣ ዜልቦስ ራእይ ሰላም ዚርእዩላ ዘለዉ ነብያት እስራኤል እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
17 ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብተን ካብ ልበን ሀንዲሰን ዚንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል ኣንጻረን ድማ ተነበየለን፣
18 ንነፍሳት ኬፈንጥራስ፣ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶይን ኵሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤን። ነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራ፣ ነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን∶ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገር።
19 ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፣ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግባኤን ነፍሳት ከኣ ህይወተን እናኣድሓንክ፣ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እንሐሶኽናሉ፣ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን።
20 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኼዳታትክን ተሀንዲደየን ኣሎኹ፣ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደን፣ ነተን ነፍሳት፣ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናኤን ነፍሳት ሓራ ኸውጽኤን እየ።
21 ነቲ ምጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶ፣ ንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፣ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኪዀኑን እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነ ክትፈልጣ ኢኽን።
22 ንልቢ እቲ ጻድቕ፣ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደሌኹስ፣ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፣ እቲ ረሲእ፣ ካብ መገዲ ረሲኣነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፣ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን፣
23 ስለዚ ከንቱነት ኣይክትርእያን፣ ድሕርዚ ኸኣ ትንቢት ኣይክትንበያን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።

1 ሓያሎ ኻብቶ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናባይ መጺኦም፣ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።
2 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
3 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣቝሞምዎ ኣለዉ። ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክሕተት እየ∶
4-5 ስለዚ ተዛረቦም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል፣ ጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፣ ኣብ ነብዩውን ዚመጽእ ዘበለ፣ ዅላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፣ ንቤት ኣስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኺሕዞምሲ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም።
6 ስለዚ ንቤት እስራኤል በሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ተመለሱ፣ ካብ ጣኦታትኩም ተመለሱ፣ ካብ ኵሉ ጽያፍኩም ከኣ ገጽኩም ምለሱ።
7 ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ መጻእተኛታት ካባይ ዚርሕቕ፣ ንጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፣ ንኣይ ኪሐተሉ ኢሉውን ናብ ነብዪ ዚመጽእ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ
8 ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምህንዳድ ኣነ ክመልሰሉ፣ ንምልክትን ምሳሌን ከኣ ክገብሮ፣ ካብ ማእከል ህዝበይውን ከጽንቶ እየ፣ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
9-11 ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪኾኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፣ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፣ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ኵሉኸኣ ከይረኽሱስ፣ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፣ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፣ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
12 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
13 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፣ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኩላ፣ ነቲ ምርኩስ እንጌራ ድማ እንተ ሰበርኩላ፣ ጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፣ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፣
14 እዞም ሰለስተ ሰብኣይ፣ ኖህን ዳንኤልን እዮብን፣ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ነታ ነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፍዋ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 ብሰሪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብእኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፣ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዜጥፍእዋ፣ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእከል እታ ሃገር ኣንተ ፈኖኹ፣
16 እዞም ሰለስተ ሰብኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፣ እታ ሃገር ከኣ ምባደመት።
17 ወይስ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸይጸንትሲ፣ ሰይፊ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ይሕለፍ፣ ኢለ ንሰይፊ ናብታ ሃገር እንተ ኣምጻኣኩ፣
18 እዞም ሰለስተ ሰብኣይ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን።
19 ወይስ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፣ ፌራ ናብታ ሃገር ኣቲኣ እንተ ሰደድኩ፣ ቍጥዓይ ከኣ ብደም እንተ ኽዖኹ፣
20 ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን።
21 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፣ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፣ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን፣ ኣብ የሩሳሌም ምስ ዝሰድድውን፣
22 እንሆ፣ ዜውጽእዎም ኣወዳትን ኣዋልድን ገለ ተርፍ ኬምልጡ እዮም። እንሆ ኸኣ፣ ንሳቶም ናባኻትኩም ኪመጹ እዮም፣ ንብረቶምን ግብሮምን ድማ ክትርእዩ ኢኹም፣ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትጸናንዑ ኢኹም።
23 ንብረቶምን ግብሮምን ምስ ርኤኹም፣ ንምጽንናዕኩም ኪኾኑ ኣዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኦም ወይኒ፣ እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግሲ፣ ብምንታይ እዩ ኻብቲ ኻልእ ኣእዋም ዚበልጽ∶
3 ብእኡ ስራሕ ኪገብሩስ፣ ካብኡዶ ዕጨይቲ ይወስዱ እዮም∶ ኣቕሓ ኺሰቕሉሉስ፣ ጸዋሪትከ ኻብኡዶ ይወስዱ እዮም∶
4 እንሆ፣ ሞዅ ኪብል ኣብ ሓዊ ይድርበ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፣ እቲ ማእከሉውን ይሐርር፣ ንገለ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ∶
5 እንሆ፣ ብደሓኑ ኸሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፣ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኸመይ ኢሉ ገለ ስራሕ ኪግበሮ ይከኣል∶
6 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ብሓዊ ሞዅ ኪብል ዝወፌኽዎ ኦም ወይኒ፣ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
7 ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ እየ፣ ካብ ሓዊ ወጹ፣ ግናኸ ሓዊ ኺበልዖም ኣዩ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ ከሎኹ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8 ስለ ዝጠለሙ ነታ ሃገር ከባድማ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

1 ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ በለኒውን፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንየሩሳሌም ጽያፋ ኣፍልጣ፣
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ ኣሎ፣ ኢልካውን በላ፣ ሱርክን ወለዶኽን ካብ ሃገር ከንኣናውያን እዩ፣ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፣ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ
4 ብናይ ምውላድክስ፣ በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትቢ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፣ ምእንቲ ኽትጸርይስ ብማይ ኣይተሐጸብክን፣ ብጨው ኣይተቐባእክን፣ ኣይተጠቕለልክንውን።
5 በታ እተወለድክላ መዓልትስ ነፍስኺ ስለ እተናዕቀ፣ ኣብቲ ጋህ ዝበለ መሮር ደኣ ተደርቤኺ። ሓደ ግዛዕ ካብዚ ኺግብረልኪ ኢሉ ራሕሪሑ ብለውሃቱ ቍሊሕ ዝበለኪ ዓይኒ የልቦን።
6 ብኣኺ ሐለፍኩ፣ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕል ክትብሊ ኸሎኺ ኸኣ ርኤኹኺ እሞ፣ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ፣ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ። እወ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ።
7 ከም ብቝሊ ግራሁ ኣኣላፋት ገይረ ኣብዛሕኩኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፣ ዓቤኺ፣ ኣዚኺ ኸኣ መልካዕኪ፣ ኣጥባት ገበርኪ፣ ጸጕርኺውን በቘለ፣ ግናኸ ንስኽስ ጥራይክን ዕርቕትን ነበርኪ።
8 ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፣ እንሆ፣ ኸኣ፣ ጊዜኺ፣ እቲ ጽቡቕ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔ፣ ዕርቃንኪ ኸወልኩ። መሐልኩልኪ፣ ኺዳን ኣቶኹልኪ፣ ናተይውን ኰንኪ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9 ብማይ ሐጸብኩኺ፣ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺ፣ ብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ።
10 ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺ፣ ብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፣ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፣ ብሃሪውን ከደንኩኺ።
11 ብስልማት ሰለምኩኺ፣ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፣ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ።
12 ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፣ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።
13 በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪ፣ ሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፣ ኵእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪ። ኣዚኺ መልካዕኪ፣ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ።
14 በቲ ኣነ ዝሰለሙክኺ ግርማ እቲ መልክዕኪ ፍጹም ኰይኑ እዩ እሞ፣ ብምኽንያቱ ወሬኺ ኣብ ማእከል ህዝብታት ወጸ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 ንስኺ ግና ብመልክዕኪ ተኣመንኪ፣ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፣ ንማንም ሓላፍ መገዲ ንእኡ ኽትኰኒ፣ ምንዝርናኺ ኣቕረብክሉ።
16 ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፣ ውሩዕ በረኽቲ ስፍራ ሰራሕኪ እሞ ኣብኡ ኣመንዘርኪ። ከምዚ ዝበለስ ኣይተገብረን ኣይኪግበርን ከኣ እዩ።
17 እቲ ኣነ ዝሀብኩኺ ጽቡቕ ስልማትኪ ወርቀይን ብሩረይን ኣልዓልኪ፣ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፣ ምሳታቶም ድማ ኣመንዘርኪ።
18 ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ከደንክዮም፣ ዘይተይን ዕጣነይን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረብኪ።
19 ነቲ ኣነ ዝሀብኩኺ እንጌራይ፣ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዘነበርኩ ዅእኩእ ሓርጭ ስርናይን ዘይትን መዓርን ንመኣዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኦም ቀረብክዮ። እዚ ተገይሩ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ።
20-21 ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከኣ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፣ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሐሪድኪ፣ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፣ እዚ ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ እዩ∶
22 ኣብ ኵሉ ጽያፍክን ምንዝርናኽን ከሎኺ፣ ነቲ ጥራይክን ዕርቕትን ኴንኪ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን።
23 ድሕሪ ዅሉ ጊዜ ኽፍኣትኪ፣ -ወይለኺ፣ ወይለኺ፣ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣
24 ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ፣ ብዅሉ መተሐላለፍ መገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኪ።
25 ኣብ ኵሉ ወሰን መገዲ ክብ ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፣ ንመልክዕኪ ኣፈንፈንክዮ፣ ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርኤኺ፣ ምንዝርናኺውን ኣብዛሕኪ።
26 ምስቶም ስጋኦም ዝገዚፍ ጐረባብትኺ ግብጻውያን ዘሞኺ፣ ኵራይ ንምልዕዓል ከኣ ዝሙትኪ ኣብዛሕኪ።
27 ስለዚ እንሆ፣ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኩ፣ ንመግብኺ ኸኣ ኣጕደልክዎ፣ ንፍቓድ እተን ዝጸልኣኺ፣ በቲ ርኹስ መገድኺ ዚሐፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፌኹኺ።
28 ኣይጸገብክን እሞ፣ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ። ምሳታቶም ድማ ዘሞኺ፣ ኣይጸገብክን ከኣ።
29 ምስናይ እዚ ኸኣ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ኸንኣን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኪ ግናኸ በዚውን ኣይጸገብክን።
30-31 ኵሉ እዚ ግብሪ እታ ዘይትሐፍር ኣመንዝራ እትገብሪ ኣብ ኵሉ ወሰን መገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ፣ ኣብ መተሓላለፍ መግዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፣ ዋጋ ስለ ዝነዐቕኪ ኸም ካልኦት ኣመናዝር ኣይነበርክን፣ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ዀን እዩ እቲ ልብኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
32 ኣብ ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ዀንኪ።
33 ንዅለን ኣመናዝር ህያባት ይወሀበን፣ ንስኺ ግና ንዅሎም ፈተውትኺ ህያባት ሀብክዮም። ካብ ኵሉ ወገን መጺኦም ምሳኺ ኺዝምዉ ብህያብ ሐባበልክዮም።
34 ንምምንዛር ዚስዕበኪ ዜብልክስ፣ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ። ንስኺ ኣብ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ህያብ ምቕባልሲ፣ ምእንቲ ኸተምንዝሪ ህያብ ሀብኪ፣ ኻልኦት ዘይገበራኦ ገበርኪ።
35 ስለዚ፣ ኣቲ ዘማዊት፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፣
36 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኻዕወ፣ ነውርኺ ኸኣ ስለ እተቐልዔ፣ ብሰሪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣኦታትክን፣ ብሰሪ እቶም ንኣታቶም ዝወፌኽዮም ደቅኽን፣
37 ስለዚ እንሆ፣ ንዅሎም እቶም ባህ ዘበሉኺ ፈተውትኽን፣ ንዅሎም እቶም ዝፈቶኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝጸላእክዮምን ክእክቦም እየ። ካብ ኵሉ ወገን ንምጽራርኪ ኽእክቦም እየ፣ ኵሉ ዕርቃንኪ ማንቲ ኺራዩ፣ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኦም ክቐልዖ እየ።
38 ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ፣ ናይ ነድርን ናይ ቅናኣትን ደም ከውርደልኪ እየ።
39 ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኼፍርሱ፣ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኪፍንጥሱ፣ ክዳውንትኺ ኺገፉ፣ ጽቡቕ ስልማትኪ ኪቕንጥጡ፣ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም።
40 ብዙሕ ሰብ ናባኺ ኼውጽኡ እዮም ንሳቶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኺ፣ ብሰይፎም ድማ ኪቘራርጹኺ እዮም።
41 ነባይትኺ ብሓዊ ኼንድዱ፣ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ኪፈርዱኺ እዮም፣ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፣ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይክትህብን ኢኺ።
42 በዚ ኸምዚ ሃና ነድረይ ክወጸልኪ፣ ቅንኣተይ ከኣ ኪርሕቀልኪ እዩ፣ ክሀድእ ብድሕርዚውን ኣይክዅርን እየ።
43 ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን፣ ብዅሉ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣዀሪኽኒ ኢኺ እሞ፣ እንሆ፣ ኣነውን፣ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጽያፍኪ እዚ ነውሪ እዚ ኸይትውስኽስ፣ መገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
44 እንሆ፣ እቶም ዚምስሉ ኵላቶም፣ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላ፣ ኢሎም ብኣኺ ኺምስሉ እዮም።
45 ንስኺ ጓል እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝጸልኤት ኣዴኺ ኢኺ። ንስኺ ሓብቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝጸልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። ኣዴኺ ሔታዊት፣ ኣቦኺ ኸኣ ኣሞራዊ ነበሩ።
46 እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ጸጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓብትኺ ሰማርያ እያ፣ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽቶ ሓብትኺ ኸኣ ሶዶም እያ።
47 ንስኺ ግና ብመገደን ኣይከድክን፣ ከምቲ ፍንፉን ነገረን ከኣ ኣይገበርክን። እዚ ቐሊሉክስ፣ ብዅሉ መገድኺ ደኣ ኻብኤን ገደድኪ።
48 ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሶዶም ሓብትኺ ንሳን ኣዋልዳን፣ ከምቲ ንስኽን ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን።
49 እንሆ፣ እቲ ኣበሳ ሶዶም ሓብትኺ እዚ ነበረ፣ ትዕቢትን ጽጋብ እንጌራን ትህኪትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልዳን ነበረ፣ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን።
50 ዕቡያት ነበራ፣ ኣብ ቅድመይ ከኣ ፍንፉን ነገር ገበራ፣ እዚ ምስ ርኤኹ ድማ ኣጥፋእክወን።
51 ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ጽያፍኪ ኻብኤን ኣብዛሕኪ፣ ብኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ጽያፍኪውን ነሓትኪ ኣጽደቕክየን።
52 ንስኺ ኸኣ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሰካሚ። በቲ ኻብኤን ዚረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃ። ነሓትኪ ኣጽዲቕክየን ኢኺ እሞ፣ ሕፈሪ ነውርኺውን ጹሪ።
53-54 ነውርኺ ኽትጾሪ፣ በቲ ዝገበርክዮ ዅሉ ኸኣ ክትሐፍሪ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ከተጸናንዕየንሲ፣ ምርኮኤን፣ ምርኮ ሶዶምን ኣዋልዳን፣ ምርኮ ሰማርያን ኣዋልዳን፣ ምርኮ እቶም ኣብ ማእከለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ።
55 ኣሓትኪ ሶዶምን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፣ ሰማርያን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፣ ንስኽን ኣዋልድክን ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋትክን ክትምለሳ ኢኽን።
56-57 ከምቲ በዋልድ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፣ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዜነውራኺ ዝነበራ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያንን እተጸረፍክሉ ጊዜ፣ ክፍኣትኪ ኸይተቐልዔ ኸሎ፣ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተረቝሔትን።
58-59 እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዐቕኪ ኢኺ፣ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፣ ይብል ኣሎ እሞ፣ ምንዝርናኽን ጽያፍክን ትጾሪ ኣሎኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
60 ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኽዎ ኺዳን ክዝክሮ እየ፣ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ከጽንዓልኪ እየ።
61 ነሓትኪ፣ ነተን ካባኺ ዚዐብያን ዚንእሳን ኣሓትኪ፣ ክትቅበልየን ከሎኺ፣ ብኺዳንኪ ዘይኰነስ፣ ኣዋልድኪ ኪዀና ኽህበኪ ኸሎኹ፣ ሽዑ መገድኺ ኽትዝክርን ክትሐፍርን ኢኺ።
62-63 ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ፣ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሀንኪ፣ ካብ ሕንኪ እተላዕለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍትስ፣ ኪዳነይ ኼጽንዓልኪ እየ፣ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምኳነይ ክትፈልጢ ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊቶይ ንገሮም፣ ምስላውን መስለሎም።
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ተዛረብ፣ ገዚፍ ዘኽናፉ፣ ነዊሕ ዝመንገብገቡ፣ ዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሊባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ።
4 ነቲ ርእሲ ጨንፈራ ሰልዖ፣ ናብ ሃገር ነግዲ ወሰዶ፣ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸኣ ኣንበሮ።
5 ካብታ ሃገር ድማ ጫለዳ ወሰደ፣ ኣብ ፍርያም ግራት ከኣ ተኸላ፣ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ከም ዕቦል ገይሩ ስፍራ ኣትሐዛ።
6 ንሳ ዐበየት፣ ጨንፍራ ናብኡ ዘበለ፣ ሱራ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ዝዀነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፣ ሓጺር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ዀነት። በዚ ኸምዚ ጨንፈር እትጭንፍርን፣ ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ዀነት።
7 ገዚፍ ዝኽንፉ፣ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ነበረ። እንሃ ኸኣ፣ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፣ ንሱ ማይ ኬስትያ ኢላ፣ ካብቲ እተተኽለቶ ቦታ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሔት፣ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣውፈረት።
8 ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእ፣ ፍረ ኸተፍሪ፣ ክብርቲ ኦም ወይኒውን ክትከውንሲ፣ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።
9 በል ድማ፣ ክትልምዕዶ እያ∶ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኽትነቅጽንሲ ሱራዶ ኣይኪምንቈስን፣ ፍሪኣኸ ኣይኪቝረጽን እዩ∶ እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘጽልስ ኣይኪነቅጽን ድዩ∶ ሱራ ንምምንቋስ ሓያል ቅልጽምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ።
10 እንሆ፣ ምትካልሲ ተተኺላ ኣላ፣ ክትለምዕዶ እሞ እያ∶ ንፋስ ምብራቕ ምስ ተንከያስ፣ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይክትነቅጽን እያ∶ ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅጽ እያ።
11 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
12 እምብኣርሲ ነቲ ተጻራሪ ቤት፣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም∶ በሎም። ንገሮም ከኣ፣ እንሆ፣ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ፣ ንንጉስን መሳፍንትን ሒዙ ናብኡ ናብ ባቢሎን ማረኾም።
13-14 እታ መንግስቲ ኽትሐምቕ እሞ ከይትትንስእ፣ ብምሕላው ኪዳና ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፣ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሐሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርን ምስኡ ወሰዶም።
15 ግናኸ ንሱ ኻብኡ ዐለወ፣ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ኪህብዎ ልኡኻት ናብ ግብጺ ሰደደ። ኪሰልጦዶ እሞ እዩ∶ ከምዚ ዝበለ ዚገብርሲ ኼምልጥዶ እዩ∶ ጠላም ኪዳንከ የምልጥዶ እዩ∶
16 ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዚነብረላ ዘሎ ቦታ፣ ናብቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ፣ ኪዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፣ ምስኡ ኸይኑ፣ ኣብ ማእከል ባቢሎን ኣብኣ ኺመውት እዩ።
17 ብዙሕ ሰብ ኪቐትሉ ኢሎም ዕርዲ ኺዐርዱን ግምቢ ኺሰርሑን ከለዉ፣ ፈርኦን ከኣ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኰይኑ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኦን እዩ።
18 ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፣ ኢድ ጠቒዑስ እዚ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፣ ኣይኬምልጥን እዩ።
19 ስለዚ፤ ኣነ ህያው እየ፣ እቲ ዝነዐቖ ማሕላውን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን ብርግጽ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
20 መርበበይ ክዝርግሓሉ እየ፣ ብመፈንጠራይ ከኣ ኪተሐዝ እዩ፣ ናብ ባቢሎን ድማ ክወስዶ፣ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዐመጸሉ ዓመጻ ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።
21 ኵሎም ህዱማቱ ምስ ኵሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኺወድቁ፣ እዮም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ኪዝረዉ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
22 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣነ ኸኣ ካብር ርእሲ እቲ ነዊሕ ጽሕዲ ወሲደ ኸንብሮ እየ። ካብቲ ላዕላይ ጠጥዒ ሓንቲ ለውለው እትብል ሰሊዔ፣ ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን ክተኽላ እየ።
23 ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ። ክትጭንፍርን ክትፈርን፣ ግሩም ዝዀነት ጽሕዲውን ክትከውን እያ። ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ጨናግራ ኪነብራ እየን።
24 ኵለን ኣእዋም መሮር ከኣ ነታ ነዋሕ ኦም ለጠቕ ዘበልኩ፣ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀጽኩ፣ ነታ ንቕጽቲ ኦም ከኣ ዘጠጠዕኩ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፣ ክገብሮ ድማ እየ።

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ሃገር እስራኤል እዚ ምስላ እዚ፣ ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወ፣ ኢልኩም እትምስሉ∶
3 ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እዚ ምስላ እዝስ ድሕርዚ ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም።
4 እንሆ፣ ኵለን ነፍሳት ናተይ እየን፣ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።
5 ጻድቕ ሰብ እንተሎ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፣
6 ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዔ፣ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ እንተ ዘይበላ፣ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዘየራኸሰ፣ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበ፣
7 ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዔ፣ ንብዓል ዕዳ ታሕዚ እንተ መለሰሉ፣ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመጸ፣ እንጌራኡ ንጥሙይ እንተ ሀበ፣ ንዕሩቕ ከኣ ክዳን እንተ ኸደነ፣
8 እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠን፣ ኢዱ ካብ ዓመጽ እንተ ኸልከለ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ፣
9 ብሕጋጋተይ እንተ ተመላለሰ፣ ጽድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሐለወ፣ ንሱ ጻድቕ እዩ፣ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10 ግናኸ ንሱ ዓማጺ፣ ከዓው ደም፣ ካብዚ ነገር እዚ ኸኣ ሓደ ግዛዕ ዚገብር ውሉድ እንተ ወለደ፣
11 እዚ ዅሉ ዘይገብር፣ ኣብ ኣኽራን ዚበልዕ፣ ሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስ፣
12 ንነዳይ ንድኻን ዚገፍዕ፣ መንዚዑ ዚወስድ፣ ታሕዚ ዘይመልስ፣ ኣዒንቱ ናብ ጣኦታት ዝቘላሕታኤን፣ ፍንፉን ነገር ዚገብር፣
13 ዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፣ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ∶ ያእ፣ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፣ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሲ ከኸውን እዩ።
14 እንሆ ኸኣ፣ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ፣ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ኵሉ ሓጢኣት ዚርእን ዚፈርህን ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፣
15 ኣብ ኣኽራን ዘይበልዕ፣ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ ዘየብል፣ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፣
16 ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፣ ታሕዚ ዘይሕዝ፣ መንዚዑ ዘይወስድ፣ እንጌራኡ ንጥሙይ ዜብልዕ፣ ንዕሩቕውን ክዳን ዚኸድን፣
17 ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዚመልስ፣ ሓረጣን ካዕበትን ዘይወስድ፣ ፍርደይ ዚገብር፣ ብሕገይ ዚመላለስ፣ ንሱ ብህይወት ኪነብር እዩ እምበር፣ ብሰሪ ኣበሳ ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ።
18 ኣቦኡ ዓመጸኛ ስለ ዝነበረ፣ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድኤ፣ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኸኣ ሰናይ ዘይኰነ ስለ ዝገበረ፣ እንሆ፣ ብኣበሳኡ ኺመውት እዩ።
19 ንስኻትኩምሲ፣ ስለምንታይ እዩ እቲ ወድስ ኣበሳ ኣቦኡ ዘይጸውር∶ ትብሉ ኣሎኹም፣ እቲ ወዲ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ገይሩ ንዅሉ ሕጋጋተይ ሐልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፣ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።
20 እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት። ውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።
21 ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት እንተ ተመለሰ፣ ፣ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።
22 ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፣ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ።
23 ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ∶ ፍታወይሲ ካብ መገዱ ኺምለስ፣ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን∶ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24 እቲ ጻድቕከ ኻብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ እንተ ኣበሰ እሞ ከምቲ ረሲእ ዚገብሮ ዅሉ ፍንፉን ነገር እንተ ገበረስ፣ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ∶ ካብቲ ዝገበሮ ጽድቂ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከርን እያ። በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ።
25 ንስኻትኩም ግና፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ትብሉ ኣሎኹም። እምብኣርሲ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስምዑ፣ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑዕ∶ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን∶
26 ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ እሞ፣ እንተ ኣበሰ ብእኡ ኸኣ እንተ ሞተ፣ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ እዩ ዚመውት።
27 ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፣ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ኬንብራ እዩ።
28 ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ግህሰቱ ኣስተንቲኑ ስለ እተመልሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን እዩ።
29 ግናኸ ቤት እስራኤልሲ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፣ ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ካንዶ መገድታተይ እዩ ዘይቅኑዕ∶ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን∶
30 ስለዚ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተመለሱ፣ ኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፣ ካብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ።
31 ነቲ ዝገሀስኩምዎ ግህሰት ካባኹም ደርብዩ፣ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ∶
32 ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፣ ተመለሱ ብህይወት ከኣ ንበሩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

1 ንስኻ ኸኣ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፣ በል፣ ድማ፣
2 ከመይ ኰን ኣዴኻ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት። ኣብ ማእከል ኣናብስ ተጋደመት፣ ኣብ ማከል ሸደናት ኣናብስ ንዀራኵራ ኣዕበየት።
3 ሓደ ካብቶም ኰራኵራ ኣዕበየት፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፣ ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፣ ሰብውን በልዔ።
4 ህዝብታት ብዛኦባኡ ሰምዑ፣ ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ተታሕዘ፣ ሳንቀ ኣፍንጫ ገይሮም ናብ ሃገር ግብጺ ወሰድዎ።
5 ትጽቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረኣየት፣ ተስፋ ኸኣ ምስ ቀበጸት፣ ካብ ኰራኵራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፣ ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።
6 ኣብ ማእከል ኣናብስ ተመላለሰ፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፣ ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፣ ሰብውን በልዔ።
7 ኣዳራሻቶም ገሰሰ፣ ከተማታቶም ኣዕነወ። እር ኢሉ ምስ ጓዘመ’ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ።
8 ሽዑ ኻብቲ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ህዝብታት ኣኽተቱሉ፣ መርበቦም ዘርግሑሉ፣ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተታሕዘ።
9 ሳንቀ ገይሮም ኣብ ቈፎ ኣእተውዎ፣ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ። ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ድሕርዚ ኸይስማዕ፣ ኣብ ጽኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።
10 ኣዴኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት። ብሳላ ብዝሒ ማያት እትጭብጭብ ሓረግ ፈራይት ኦም ወይኑ ዀነት።
11 ንዘንጊ መንግስቲ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውጽኤት፣ ጕንዳ ኣብ ማእከል ጽቡቕ ኣቑጽል ነውሔ። ነዋሕን ሓረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፣ እትርኤ ዀነት።
12 ግናኸ ብቝጥዓ ተመንቈሰት፣ ኣብ ምድሪ ኸኣ ተደርበየት፣ ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጾ። ድልዱል ጨናፍራ ተሰብረን ነቐጸን፣ ሓዊውን በልዖ።
13 ሕጂ ኣብ ምድረ በዳ፣ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።
14 ካብ ጨናፍራ ሓረጋ ሓዊ ወጸ፣ ፍሪኣ ኸኣ ሞዅ ኣበለ። ዛንጊ ገዛኢ ዚኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፣ ከም ድጕዓ ትድጓዕ።

1 ኰነ ኸኣ፣ ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብቲ ሓምሳይ ወርሒ ሓያሎ ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኪጥይቑ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።
2 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
3 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል፣ ክትሐቱኒዶ መጺእኩም∶ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ብኣኻትኩም ኣይሕተትን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገሮም።
4 ክትፈርደሎም ዲኻ∶ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ክትፈርደሎም ዲኻ፣ ጽያፍ ኣቦታቶም ኣፍልጦም።
5 በሎምውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ ንእስራኤል ዝሐሬኹላ መዓልቲ፣ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ኢደይ ኣልዐልኩ፣ ኣብ ሃገር ግብጺ ድማ ተገለጽኩሎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ ኢለውን ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፣ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓርን ዚውሕዛ፣ ካብ ኵለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ክእትዎም፣ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
7 ኣነ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ጽያፍ ዓይኑ ይደርቢ፣ ብጣኦታት ግብጺ ድማ ኣይትርከሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላክኩም እየ፣ በልክዎም።
8 ንሳቶም ግና ተጻረሩኒ፣ ምስማዔይ ከኣ ኣበዩ፣ ነፍሲ ወከፎም ጽያፍ ዓይኑ ኣይደርበየን፣ ጣኦታት ግብጺውን ኣይሐደገን። ሽዑ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ ሃና ዅራይ ክወጸሎምሲ፣ ነደረይ ኣብ ልዕሊኦም ክኽዑ እየ፣ በልኩ።
9 ግናኸ እዚ ዝገበርዎስ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእከሎም ዝነብሩ እሞ ኣነ ንኣታቶም ካብ ሃገር ግብጺ ብምውጽኤይ ኣብ ቅድሚኦም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት፣ ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
10 ካብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ኣውጻእክዎም፣ ናብ በረኻውን ኣምጻእክዎም።
11 ሕጋጋተይ ሀብክዎም፣ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፣ ፍርደይ ከኣ ኣፍለጥክዎም።
12 ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሀብክዎ።
13 ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፣ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለሱን። ነቲ፣ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፣ ፍርደይ ከኣ ኣበይዎ፣ ንሰናብተይውን ኣዝዮም ኣርከስዎ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምሲ፣ ነድረይ ደኣ ክኽዕወሎም በልኩ።
14 ግናኸ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
15-16 -ልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዐበ፣ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፣ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፣ ናብታ ዝሃብክዎም፣ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኵላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከእትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
17 ግናኸ ዓይነይ ነሐፈቶም እሞ ኣየጥፋእክዎምን፣ ኣብቲ በረኻ ጠሪሰ ኣይወዳእክዎምን።
18 ኣብ በረካ ኸኣ ንደቆም፣ ከምቲ ሕጋጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፣ ፍርዶም ድማ ኣይትሐልዉ፣ ብጣኦታቶምውን ኣይትርከሱ፣ በልክዎም።
19 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ ከም ሕጋጋተይ ተመላለሱ፣ ፍርደይ ከኣ ሐልዉ ግበርዎውን።
20 ንሰናብተይ ቀድሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ኪዀና እየን።
21 ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፣ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን፣ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፣ ፍርደይ ኪገብርዎ ኢሎም ኣይሐለውዎን፣ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ሃና ቝጥዓይ ከውጸሎም ነድረይውን ክኽዕወሎም እየ፣ በልኩ።
22 ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፣ ምእንቲ ስመይ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት፣ ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
23-24 -ሕጋጋተይ ኣበዩ፣ ንሰናብተይ ኣርከሱ፣ ኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዐባ እምበር፣ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፣ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፣ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፣ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
25 ምስናይ እዚ ኣነውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፣ ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይከኣሎም ፍርድታት ሀብክዎም።
26 ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፣ ከባድሞም ኢለ፣ በቲ ማሕጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ ዅሉ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎም።
27 ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንቤት እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ በዚ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ጸረፉኒ።
28 ናብታ ኽህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ሃገር ምስ ኣእቶኽዎም፣ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኵርባን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፣ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፣ ኣብኡ ኸኣ ዜዀሪ መባእ ኣቕረቡ፣ ኣብኡ ድማ ጥዑም መኣዛኦም ዐጠኑ፣ ኣብኡውን መስዋእቲ መስቲኦም ከዐዉ።
29 ኣነ ኸኣ፣ እዚ ናብኡ እትኸድዎ ዘሎኹም በሪኽ እንታይ እዩ∶ በልክዎም። በዚ ኸምዚ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ባማ ይሰምይዎ ኣለዉ።
30 ስለዚ ንቤት እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ ንስኻትኩም ከም መገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፣ ነቲ ፍንፉን ነገሮም እናሰዐብኩም ዘሞኹም።
31 መባእኩም ከተቕርቡ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኸተሕልፉ ኸሎኹም፣ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣኦታትኩም ትረኽሱ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክሕተት እየ∶ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ብኣኻትኩም ኣይክሕተትን እየ።
32 ንሕና፣ ከምቶም ህዝብታትን ዓሌታት ሃገራትን፣ ንዕጭን እምንን ከነምልኽ፣ ኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም ጠብላሕ ዚብለኩም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።
33 ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ርግጽ ክነግሰኩም እየ።
34 ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ካብቶም ህዝብታት ከውጽኣኩም እየ።
35 ናብ በረኻ ህዝብታት ከኣ ክወስደኩም፣ ኣብእውን ገጽ ንገጽ ናብ ፍርዲ ክንኣቱ ኢና።
36 ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ሃገር ግብጺ እተፋረድኩ፣ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋራረድ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
37 ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፣ ናብ መኣስር ኪዳን ከኣ ከእትወኩም እየ።
38 ነቶም ካባይ ዝዐለዉን ዝኸድዑን ካባኻትኩም ክፈልዮም ካብቲ ጓና ዀይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከኣ ከውጽኦም እየ። ግናኸ ናብ ሃገር እስራኤልሲ ኣይኪኣትዉን እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
39 ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ምስማዕ ካብ ኣቤኹምንስ፣ ኪዱ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣኦታትኩም ኣምልኹ። ድሕርዚ ግና ንቅዱስ ስመይ ብመባእኩምን ብጣኦታትኩምን ኣይከተርክስዎን ኢኹም።
40 ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ፣ ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል፣ ቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎም ኣብታ ሃገር ኬምልኹኒ እዮም። ኣብኡ ተሐጕሰ ክቕበሎም እየ፣ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ ነገርኩም ክደልዮ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
41 ካብ ህዝብታት ምስ ኣውጻእኩኹም፣ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፣ ከም ምኡዝ ሽታ ብኣኻትኩም ባህ ክብል፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ህዝብታት ከኣ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።
42 ንስኻትኩምውን፣ ናብ ሃገር እስራኤል፣ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩሉ ሃገር ምስ ኣእቶኹኹም፣ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
43 ኣብኡ ኸኣ ንመገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፣ በቲ ዝገበርክምዎ ዘበለ ዅሉ እከይ ድማ ነፍስኹም ኬስካሕክሕ እዩ።
44 ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ከምቲ እኩይ መገድኹምን ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኰነስ፣ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
45 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
46 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፣ ናብ ደቡብ ከኣ ቃልካ ኣንጠብጥብ፣ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር መሮር ድማ ተነበየሉ።
47 ነቲ ዱር ደቡብ ከኣ፣ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፣ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ ኣባኻ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣ ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዅለን ጥሉላት ኣእዋምን ንዅሉ ንቑጻት ኣእዋምን ሞዅ ኬብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይኪጠፍእን፣ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከኣ ኵሉ ገጽ ብእኡ ኺነድድ እዩ።
48 ኵሉ ስጋውን፣ እቲ ዝኣጐዶስ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ፣ ኪርኢ እዩ። ኣይኪጠፍእን እዩ።
49 ሽዑ ኣነ፣ ኣየ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶም ብዛዕባይ፣ እዝስ ምስላታት እዩ ዚምስል፣ ይብሉ ኣለዉ፣ በልኩ።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ የሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፣ ቃልካ ኸኣ ናብቲ ቕዱስ ስፍራታት ኣንጠብጥብ፣ ንሃገር እስራኤል ከኣ ኣንጻር ተነበየሉ።
3 ነታ ሃገር እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገራ፣ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ሰይፈይ ከኣ ካብ ሰገባኡ ኽመልሖ ካባኺውን ጻድቃንን ረሲኣንን ከጥፍእ እየ።
4 ንጻድቃንን ረሲኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፣ ስለዚ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ ካብ ደብብ ክሳዕ ሰሜን ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኺምላሕ እዩ።
5 ስጋ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ፣ ኪፈልጡ እዮም፣ ኣይኪምለስን ድማ እዩ።
6 ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ቈዝም፣ ብምስባር ሓቛቝኻ፣ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቈዝም።
7 ኪኸውን ከኣ እዩ፣ እንታይ ኴንካ ትቝዝም∶ ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፣ ንስኻ፣ በቲ ዚመጽእ ወረ ዅሉ ልቢ ኺመክኽ፣ ኵለን ኣእዳው ድማ ወለል ኪብላ፣ ኵሉ መንፈስ ከኣ ኪሕለል፣ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ኪፈስስ እዩ፣ ኢልካ ምለሰሎም። እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ፣ ኪፍጸም ድማ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
8 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
9 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ በልውን፣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሰይፊ፣ ሰይፊ በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ በል።
10 ምእንቲ ኺሐርድ በሊሑ፣ ምእንቲ ማሕማሕ ኪብል ተወልዊሉ። እምብኣርሲ ብእኡዶ ክንሕጐስ ኢና∶ በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕጻው ትንዕቀን ኣላ።
11 ብኢድ ምእንቲ ኪተሐዝ፣ ኪውልወል ሀቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኺውፈ፣ ተሳሕለን ተወልወለን።
12 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ኪኸውን እዩ እሞ፣ ጨርሕ፣ ዋይዋይ ከኣ በል። ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተዋሂቦም እዮም፣ ስለዚ ሰለፍካ ውቓዕ።
13 ምዕዛብ መጸ፣ እታ እትንዕቕ በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ፣ እንታይ ደኣ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
14 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ በእዳውካ ኸኣ ኣጣቕዕ። እቲ ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይካዕበት፣ እቲ ሰይፊ ናይቶም ክሳዕ ሞት ዚቘሰሉ፣ እቲ ሰይፊ ናይቲ ኽሳዕ ሞት ዝቘሰለ ዓብዪ እዩ ናብ ቤቶም ዚኣቱ።
15 ልቦም ምእንቲ ኺመክኽ፣ ዕንቅፋቶም ከኣ ኪበዝሕሲ፣ ኣንፊ ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደጌታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ። ኣየ፣ ከም በርቂ መስመስ ይብል፣ ኪሐርዱሉ ኸኣ ተሳሒሉ ኣሎ።
16 ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ተዳሊኻ ንየማን ወይስ ንጸጋም ኪድ።
17 ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፣ ሃና ነድረይውን ከውጽእ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ ተዛሪበዮ ዘሎኹ።
18 መሊሱውን ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
19 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዚሐልፈለን ክልተ መገዲ ንኣኻ ግበር፣ ክልቴኤን ካብ ሓደ ሃገር ይውጽኣ። መሓበርታ ኸኣ ግበር፣ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መገዲ ግበሮ።
20 ሰይፊ ናብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን፣ ናብ ይሁዳ ኸኣ ናብታ ዕርድቲ የሩሳሌም ኪመጽእስ፣ መገዲ ኽትገብር ኢኻ።
21 እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፣ ኣብታ ቓራና መገዲ፣ ኣብ ርእሲ ኽልቲኤን መገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፣ ፍላጻታት የነኒ፣ ንጣኦታት ቤት ይጥይቕ፣ ከብዲ ይጥምት ኣሎ።
22 ኣብኡ መፍረስ ዕርዲ ኺትከል፣ ንዘመራ ውግእ ኣፉ ኪኸፍት፣ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኺጭድር፣ ኣብ መንጽር ደጌታት ከኣ መፍረስ ዕርዲ ኬቕውም፣ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኺነድቕሲ፣ ኣብ የማነይቱ ናብ የሩሳሌም እተመልክት ዕጭ ኣላቶ።
23 ማሕላ ምሒሎም ክነሶምሲ፣ እዚ ጠንቈላ እዚ ሓሶት ኰይኑ ኺረኣዮም እዩ። ንሱ ግና፣ ምእንቲ ኺተሐዙ፣ ኣበሳኦም ኬዘክር እዩ።
24 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ገበንኩም ተቐሊዑ፣ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩ፣ ኣበሳኹም ስለ ዘዘከረኩም፣ ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፣ ስለዚ ብሓያል ኢድ ክትተሐዙ ኢኹም፣ ይብል ኣሎ።
25 ኣታ በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልትኻ ዝበጽሔ ርኹስ ረሲእ መስፍን እስራኤል፣
26 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ዘውዲ ቐንጥጥ፣ ኣኽሊል ኣውጽእ። እዝስ ከምዚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይኪነብርን እዩ። እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፣ እቲ ልዕል ዝበለ ኸኣ ይዋረድ።
27 ጥፍኣት፣ ጥፍኣት፣ ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ።
28-29 ንስኻ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገር በልውን፣ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበጽሔ ቕቱላት ረሲኣን ኼንብሩኽስ፣ ከንቱነት ኪርእዩልኪ፣ ጠንቈላ ሓሶት ከኣ ኪናገሩልኪ ኸለዉ፣ ሰይፊ፣ ሰይፊ ተመሊሑ ኣሎ። ኪሐርድን ኪጐምምን መስመስ ኪብልን ተወልዊሉ ኣሎ።
30 ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፣ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፣ ኣብታ እተወለድካላ ሃገር ክፈርደካ እየ።
31 ኵራይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፣ ሓዊ ነድረይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፣ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፣ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።
32 ብልዒ ሓዊ ክትከውን ኢኻ፣ ደምካ ኣብ ማእከል ሃገር ኪክዖ እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ፣ ዚዝክረካ የልቦን።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ክትፈርድዶ ኢኻ∶ ነዛ ኸተማ ደምዶ ክትፈርዳ ኢኻ∶ እምብኣርስ ኵሉ ጽያፋ ኣፍልጣ።
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎውን በል፣ ጊዜኣ ምእንቲ ኺበጽሕ፣ ኣብ ማእከላ ደም እትኽዑ፣ ንርእሳ ኸተርክስ ከኣ ጣኦታት እትገብር ከተማ እያ።
4 በቲ ዝኸዖኽዮ ደምኪ፣ በት ዝገበርክዮ ጣኦታት ድማ ረኸስኪ። መዓልትታትኪ ኣቕረብኪ፣ ዓመታትኪውን ኣሕጸርኪ። ስለዚ ንህዝብታት መጻረፊ፣ ንዅሉ ሃገራት ከኣ መላገጺ ገበርኩኺ።
5 ኣቲ ርኹስ ዝወሬኺ፣ ዕግርግር ዝመልኣኪ ዝቐረቡኽን ዝረሐቑኽን ኬላግጹልኪ እዮም።
6 እንሆ፣ እቶም መሳፍንቲ እስራኤል፣ ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ፣ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ።
7 ኣባኺ ነቦን ነደን ነዐቑ፣ ኣብ ማእከልኪ ንመጻእተኛ ገፍዑ፣ ኣባኺ ንዘኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ።
8 ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዐቕኪ፣ ንሰናብተይ ኣርከስኪ።
9 ንምፍሳስ ደም ኣባኺ ሓመይቲ ነበሩ፣ ኣባኺ ኣብቶም ኣኽራን በልዑ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ሕሰም ገበሩ።
10 ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ገለጹ፣ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም መርገማ ኣዋረዱ።
11 ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ርኽሰት ገበረ፣ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፣ ሓደኻልእውን ኣባኺ ንሓብቱ ጋል ኣቦኡ ኣነወረ።
12 ደም ምእንቲ ኼፍስሱ፣ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፣ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክን፣ ብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፣ ንኣይውን ረሳዕኪ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13 እንሆ እምብኣር፣ በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕክዮን በቲ ኣብ ማእከልኪ ዝኸዖኽዮ ደምን ኢደይ ኣጣቓዕኩ።
14 በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ ልብኺዶ ኪቐውም ወይስ ኣእዳውኪ ኺጸንዓ እየን: ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ።
15 ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኪ፣ ናብ ሃገራት ከኣ ክዘርወኪ፣ ርስሓትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ።
16 ብሰሪ ርእስኺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምኻነይ ከኣ ክትፈልጢ ኢኺ።
17 ከምዚ ዚብል ቃልእግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
18 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ቤት እስራኤል ሓርኢ ሓጺን ኰኑኒ፣ ኣብ ማእከል እቶን ከኣ ኵላቶም ኣስራዝን ቈርቈሮን ሓጺንን ዓረርን እዮም። ሓተላ ብሩር ኰኑ።
19 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኵላትኩም ሓርኢ ሓጺን ኢኹም እሞ፣ ስለዚ እንሆ፣ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ክእክበኩም እየ።
20 ከምቲ ኪመክኽ ኢሎም፣ ሓዊ ምእንቲ ኺነፍሑሉ፣ ንብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን ዓረርን ቈርቈሮን ኣብ ማእከል እቶን ዚእክብዎ፣ ከምኡ ኸኣ ብቝጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ።
21 ክእክበኩም ሓዊ ነድረይ ድማ ክነፍሓልኩም እየ። ኣብ ማእከልውን ክትመኩ ኢኹም።
22 ከምቲ ብሩር ኣብ ማእከል እቶን ዚመክኽ፣ ከምኡ ኣብ ማእከል ኽትመኩ ኢኹም። ንስኻትኩምውን፣ ኣነ እግዚኣብሄር ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ፣ ክትፈልጡ ኢኹም።
23 ከምዚ ዚብል ቃልእግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
24 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንእኣ፣ ንስኺ ዘይጸረኺ፣ ብመዓልቲ ኵራውን ዝናም ዘይዘነመኪ ሃገር ኢኺ፣ ኢልካ ንገራ።
25 ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነብያት ተማሓሒሎም ኣለዉ፣ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዚጓዝም ዝንበሳ፣ ነፍሳት ወሐጡ፣ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፣ ኣብ ማእከላውን መበላሉ ኣብዝሑ።
26 ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፣ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፣ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፣ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ልዩነት ኣየፍለጡን፣ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዐመቱ፣ ኣነውን ኣብ ማእከሎም ረኸስኩ።
27 መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ፣ ብዘይ ቅንዕና ኺረብሑስ፣ ደም እናፍሰሱ፣ ነፍሳት እናጥፍኡ፣ ከምቶም ንግዳይ ዚሰላልዑ ተዃሉ እዮም።
28 ነብያት፣ ከንቱነት እናረኣዩ፣ ሓሶት እናጠቈሉሎም፣ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦስ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እናበሉ ብዘይጠቅም ጸብሪ ለቕለቑሎም።
29 እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዐመጸ፣ ከተረ፣ ንሽጉርን ድኻን ገፍዔ፣ ንመጻእተኛውን ኣጨነቐ።
30 ኣነ ኸየጥፋኣስ፣ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም፣ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰባኣይ ደሌኹ፣ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
31 ስለዚ ኸኣ ኵራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩ፣ ብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎም፣ መገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ክልተ ኣንስቲ፣ ሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ፣ ነበራ።
3 እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ፣ ኣጥባተን ተጸቕጠ፣ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቅቐ።
4 ኣስማተን ከኣ፣ እታ ዓባይ ኦሆላ፣ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ስማተን ከኣ ኦሆላ ሰማርያ እያ፣ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ።
5 ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላስ ዘመወት። ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ዀነ።
6 ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸድኑ መሳፍንትን መኳንንትን፣ ኵላቶምውን መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ ኣብ ኣፍራስ ዚቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ።
7 ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከኣ ኣመንዘረት፣ ፍትወት ኣብ እተላዕላ ምስ ኵሎም ጣኦታቶም ድማ ረኸሰት።
8 ምስናይ እዚ ኸኣ ነቲ ምስቶም፣ ብጓላ ኸኣ፣ ምስኣ ዝደቀሱን ድንግል ሕጽና ዝደርቀቑን ዝሙቶም ዝኸዐዉላን ግብጻውያን ምዝማዋ ኣይሐደገትን።
9 ስለዚ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፣ ብፍትወት ምሳታቶም ነዲዳ ዝነበረት፣ ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር መጦኽዋ።
10 ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቀልዑ፣ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፣ ንእኣ ድማ ብሰይፊ ቀተልዋ። ኣብ ማእከል ኣንስቲ ኽፉእ ስም ወጸ፣ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈርደ።
11 ኦሆሊባ ሓብታ ኸኣ እዚ ረኣየት፣ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፣ ምንዝርንኣ ድማ ካብ ምንዝርና ሓብታ በዝሔ።
12 ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር፣ መሳፍንትን፣ ዜሐብን ክዳውንቲ እተኸድኑ፣ ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡ ፈረሰኛታት፣ ኵሎም መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ ብፍትወት ነደደት።
13 ንሳውን ከም ዝረኸሰት ርኤኹ፣ ክልቲኤን ሓደ መገዲ ኸዳ።
14 ንሳ ግና ብምንዝርንኣ ሓለፍ በለት፣ ኣብ መንደቕ ከኣ ስእሊ ሰብኡት፣ ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተሳኢሉ።
15 ቅናት ኣብ ሕቝኦም ተዐጢቖም፣ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ርእሶም፣ ኵላቶም መኳንንቲ፣ ኣብታ እተወልዱላ ሃገር ከለዳውያን ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዚመስሉ ረኣየት።
16 በዒንታ ምስ ረኣየቶም ኣባታቶም ብፍትወት ነደደት፣ ናብ ሃገር ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም።
17 ደቂ ባቢሎን ከኣ ናብኣ መጹ ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፣ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ። ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፣ ነፍሳ ኻብኦም ኣግለሰት።
18 ዝሙታ ምስ ገለጸት፣ ዕርቃና ምስ ቀልዔት፣ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓብታ ዘግለሰት፣ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት።
19 ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘመንዘረቶ ዘኪራስ፣ ምንዝርንኣ ኣብዝሔት።
20 ምስቶም ዘመውቲ፣ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋ፣ ዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፣ ብፍትወት ነደደት።
21 ከምኡ፣ እቶም ግብጻውያን ኣጥባት ጕርዝነት ከሎኪ ዝደርቀቑኺ፣ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።
22 ስለዚ ኣቲ ኦሆሊባ፣ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻባታቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ ኸተንስኣልኪ እየ። ኪጻረሩኺ ኸኣ ካብ ኵሉ ወገን ከምጽኦም እየ።
23 ባቢሎናውያንን ኵሎም ከለዳውያንን ጼኮድን ሾዓን ቆዓን፣ ምስኦም ከኣ ኵሎም ኣሶራውያንን፣ መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ መሳፍንትን መኳንንትን ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጥ ሓላቑን ውሩያትን፣
24 ንሳቶም ኣጽዋርን ሰረገላታትን መንኰራዅርን ሒዞም፣ ምስ ብዙሕ ከተቴ ህዝብታት ኪጻረሩኺ ኺመጹ እዮም። ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም ብዙርያኺ ኺቃወሙኺ እዮም። ኣነ ኸኣ ፍርዲ ኽህቦም እየ፣ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ኪፈርዱኺ እዮም።
25 ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፣ንሳቶም ከኣ ብነድሪ ኺመዐቱኺ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ። ነወዳትክን ነዋልድክን ኪማርኽዎም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍውን ብሓዊ ኪዅመም እዩ።
26 ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡኺ፣ ክቡር ስልማትኪ ኺወስዱልኪ እዮም።
27 ኣዒንቲኺ ናባታቶም ቍሊሕ ከይተብልን፣ ድሕርዚ ኸኣ ግብጺ ኸይትዝክርንሲ፣ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
28 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብ እቶም እትጸልእዮም ነፍስኺ ኻብኦም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፣
29 ብጽልኢ ኺካየዱኺ፣ ዅሉ ጻማ ድኻምኪ ኺወስዱልኪ፣ ዕርቕትን ንውልቅኽን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም። ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ኪግለጽ እዩ።
30 ደድሕሪ ህዝብታት ዒልዒል እናበልኪ ስለ ዝመንዘርኪ፣ ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፣ እዚ ነገር እዚ ኺወርደኪ እዩ።
31 ብመገዲ ሓብትኺ ኸድኪ፣ ስለዚ ኸኣ ኣነ ናታ ጽዋእ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።
32 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝዀነት ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዩ ኢኺ። ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ መስሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ።
33 እታ ጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያስ ጽዋእ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፣ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ።
34 ኣነ እየ እተዛረብኩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፣ክትሰትይያን ክትጽንቅቕያን ገልዑ ኸኣ ክትነኽስን፣ ኣፍ ልብኺ ድማ ክትስንጥቕን ኢኺ።
35 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ንስኺ ረሲዕክኒ፣ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፣ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ጹሪ።
36 እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ∶ እምብኣርስ ጽያፈን ንገረን።
37 ዘምየን እየን እሞ፣ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፣ ምስ ጣኦታተን ዘምየን፣ ነቶም ንኣይ ዝወለድክዎም ደቀን፣ ሓዊ ኺበልዖምሲ፣ ብእኡ ኣሕለፋኦም።
38 ኣብ ርእሲኡውን እዚ ገበራኒ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣጸየፋ፣ ሰናብተይ ከኣ ኣርከሳ፣
39 ደቀን ንጣኦታተን ምስ ሐርዳኦም፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኼርክስኣ ናብ መቕደሰይ መጻ። እንሆ፣ ኻብ፣ ኣብ ማእከል ቤተይ ከምዚ ገበራ።
40 ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ሰብኡት ለኣኻሎም። ልኡኽ ተላእኮም፣ እንሆ፣ውን መጹ። ተሐጸብክሎም፣ ኣዒንትኺ ተዀሐልክሎም፣ ብስልማትውን ተሰለምክሎም።
41 ኣብ ጽቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ።
42 ኣብኣ ድምጺ ሕጉሳት ሰብ ነበረ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰብ ሳባ ኻብ በረኻ ኣምጽኡ። ንሳቶም ከኣ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፣ እጹብ ዘውዲውን ኣብ ኣርእስተን ገበሩ።
43 ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝኣረገት፣ ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ፣ በልኩ፣
44 ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኣትዉ፣ ናብኣ አተዉ። ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን አተዉ።
45 ጻድቃን ሰባት ከኣ፣ ዘመውቲ ስለ ዝዀና ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፣ ከምቲ ንዘመውቲ፣ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዚፍረደን ገይሮም፣ ኪፈርድወን እዮም።
46 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣኼባ ህዝቢ ኸውጽኣለን እየ እሞ፣ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ።
47 ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልወን፣ በስያፎም ኪቘራርጽወን፣ ነወዳተንን ነዋልደንን ኪቐትልዎም፣ ኣባይተንውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም።
48 ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ኸይገብራ፣ ምእንቲ ኺመዐዳስ፣ ንምንዝርና ኻብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ።
49 ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ኬንብሩልክን እዮም፣ ሓጢኣት ጣኦታትክን ድማ ክትጾራ ኢኽን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።

1 ኣብ መበል ታስዐይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽሐፍ። ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም ቀረበ።
3 ነታ ኸዳዕ ቤት ምስላ ንገራ በሎምውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ድስቲ ሰኽትት፣ ሰኽትቶ ማይ ድማ ኣዕርቐሉ።
4 ምታሩ፣ ኵሉ ጽቡቕ ምታር ዘበለ፣ እግርን ክሳድን፣ ናብኡ ኣክቦ፣ በቲ ሕሩይ ዓጽሚውን ምልኣዮ።
5 ካብቲ መጓሰ ኸኣ ሕሩድ ውሰድ፣ ነቲ ዓጽሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕጽምቲ ምእንቲ ኺበስል፣ ኣጸቢቕካ ኣፍልሓዮ።
6 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዐገት ድስቲ፣ በዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ። ነቲ ምራት ብምታሩ ኣውጽኣዮ፣ ዕጭ ኣይወደቖን።
7 ደማ ኣብ ማእከላ እዩ እሞ፣ ኣብቲ ልሙጽ ከውሒ ሐደገቶ። ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይከዐወቶን።
8 ንምልዕዓል ነድርን ንምፍዳይ ሕነ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይክወል፣ ኣብ ልሙጽ ከውሒ ኣኽዖኽዎ።
9 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣነውን ብርቱዕ መጕሃር ክኣጕድ እየ እሞ፣ ነታ በዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ፣
10 ኣዕጻው ኰምር፣ ሓዊ እጐድ፣ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፣ ነቲ መረቕ ኣዚካ ኣፍልሓዮ፣ ነቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ ኣሕርሮ።
11 ምእንቲ ኺውዕን እቲ ኣስራዚኡ ድማ ምእንቲ ኺረስንን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዛዕጉ ኺመክኽን እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪጠፍእንሲ፣ ጥራዩ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ።
12 ጻዕራ ኸንቱ እዩ፣ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፣ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ።
13 ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ። ኣጽርየክስ ኣይጸሬኽን ኢኺ እሞ፣ ሃና ነድረይ ክሳዕ ዝወጸልኪ ኻብ ርስሓትኪ ኣይክትጸርይን ኢኺ።
14 ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብክዎ። ኪኸውን እዩ፣ ክገብሮ ድማ እየ። ከም መገድኽን ከም ግብርኽን ኪፈርዱኺ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
16 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንሆ፣ ንተድላ ኣዒንትኻ ብወቕዒ ኽምንጥለልካ እየ። ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፣ ኣይትብከ፣ ኣይትንባዕውን፣
17 ስቕ ኢልካ እህህ በል፣ ንምዉታት ከም ዚልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፣ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፣ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፣ ጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ።
18 ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፣ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት፣ ንጽብሒቱ ድማ ከምቲ እተአዘዝክዎ ገበርኩ፣
19 እቲ ህዝቢውን፣ እቲ እትገብሮ ዘሎኻስ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ∶ በለኒ።
20 ኣነ ድማ፣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣ ኢለ መለስኩሎም፣
21 ንቤት እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፣ ኣሎ፣ በሎም፣ እንሆ፣ እታ ሓበን ሓይልኹም፣ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፣ እታ ናፍቖት ነፍስኹም፣ ቤት መቕደሰይ ከርክሳ እየ። እቶም ደድሕሬኹም ዝሐደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።
22 ንስኻትኩም ከኣ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፣ እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይክትበልዑን፣
23 መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፣ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ዋይዋይ ኣይክትብሉን ኣይክትበኽዩን ከኣ ኢኹም፣ ግናኸ ብሰሪ ኣበሳኹም ክትማስኑ፣ ነንሓድሕድኩም ከኣ እህህ ክትብሉ ኢኹም።
24 ህዝቅኤል ከኣ ኣርኣያ ኪዀነልኩም እዩ፣ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ። እዚ ምስመጸ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
25 ኣታ ወዲ ሰብ ከኣ፣ በታ ንሓይሎምን፣ ንሓጐስ ክብረቶም፣ ንተድላ ኣዒንቶም፣ ነቲ ናፍቖት ልቦም፣ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣነ ካብኦም ዝወስደላ መዓልቲ፣
26 በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ኣብ እዝንኻ ኼስምዓካ ኺመጸካ እዩ።
27 በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ምስ መጸ ኣፍካ ኪኽፈት እዩ፣ ክትዛረብ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይክትኸውንን ኢኻ። ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኰኖም ኢኻ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጻኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ደቂ ዓሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም።
3 ንደቂ ዓሞን ከኣ፣ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፣ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገሮም፣ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፣ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፣ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ ኣሰይ፣ ኣሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፣
4 ስለዚ እንሆ፣ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፣ ድንኳናቶም ኪተኽሉልካ፣ ኣብ ማእከልካውን ሰፊሮም ኪሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኺበልዑ፣ ጸባኻውን ኪሰትዩ እዮም።
5 ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፣ ንደቂ ዓሞን ከኣ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
6 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፣ በእጋርካ ኰርደብደብ ስለ ዝበልካ፣ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ ብሃገር እስራኤል ስለ እተሐጐስካ፣
7 ስለዚ እንሆ፣ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ እሞ፣ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፣ ካብ ህዝብታት ከጽንተካ፣ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፣ ከጥፍኣካውን እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ።
8 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሞኣብን ሰዒርን፣ እንሆ፣ ቤት ይሁዳስ ከም ኵላቶም ህዝብታት እዮም፣ ይብሉ ኣለዉ እሞ፣
9 ስለዚ እንሆ፣ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታታ፣ ክቡራት እታ ሃገር፣ እኒ ቤት-የሺሞት፣ በዓል-መዖን፣ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።
10 እቶም ደቂ ዓሞን ድሕርዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፣ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ዓሞን ዚመጹ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ።
11 ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
12 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፣ በዚ ዝፈደዮ ሕነ እዚ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፣
13 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፣ ሰብን እንስሳን ድማ ካብኣ ኸጽንት እየ። ካብ ቴማን ጀሚረ ጸምጸም በረኻ ኽገብሮም እየ፣ ክሳዕ ዴዳን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ይብል ኣሎ።
14 ኣነ ኸኣ፣ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፣ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ። ንሳቶም ንኤዶም ከም ኵራይን ነድረይን ኪገብርዋ እዮም። ምፍዳይ ሕነይውን ኪፈልጡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፣ በቲ ናይ ጥንቲ ጽልኦም ኬጥፍኡ ኢሎምሲ፣ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፣
16 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፣ ንክረታውያን ከኣ ከጽንቶም፣ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተርፊ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።
17 ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

 

1 ኰነ ኸኣ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌም፣ ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፣ ናባይ ተመሊሳ፣ ንሳ ባዲማ እያ፣ ኣነ ኽመልእ እየ፣ ኢላ ኣላ እሞ፣
3 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣቲ ጢሮስ፣ ተሀንዲደኪ እኔኹ፣ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበሉ ዜልዕሎ፣ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተንስኣልኪ እየ።
4 ንቐጽርታት ጢሮስ ኬጥፍእዎ፣ ንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎ። ሓመዳ ኽጸርገላ፣ ልምጽምጽ ዚብል ከውሒ ኽገብራ እየ።
5 ንሳ ኣብ ማእከል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ። ኣነ ተዛሪበ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንህዝብታት በዝባዝ ክትከውን እያ።
6 እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልዳ ኸኣ ብሰይፊ ኪቕተላ እየን፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ንነቡካድነጻር፣ ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፣ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን ብዙሕ ህዝብን ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምጽኦ እየ።
8 ነተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልድኪ ብሰይፊ ኪቐትለን፣ ዕርዲ ኺዐርደልኪ፣ ሓመድ ኪዅምረልኪ፣ ዋልታታት ኬልዕለልኪ እዩ።
9 ነቲ መፍረሲኡ ናብ ቀጽርኺ ኣቢሉ ኺተኽሎ እዩ፣ ብመሳርያኡ ኸኣ ንግምብታትኪ ኼፍርሶ እዩ።
10 ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ እተላዕለ፣ ደሮናኦም ኬጐልብበኪ እዩ። ብፍሩስ ቀጽሪ ኣብ ከተማ ኸም ዚኣትዉ፣ ንሱ ብኣፍ ደጌታትኪ ኺኣቱ ኸሎ፣ ህዱድ ብምባል ፈረሰኛታትኪ መንኰራዅሩን ሰረገላታቱን ቀጽርታትኪ ነይነይ ኪብል እዩ።
11 ንዅሉ ኣደባባያትኪ ብሸዀና ኣፍራሱ ኺረግጾ፣ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኪቐትሎም፣ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ ናብ ምድሪ ጻሕ ኪብል እዩ።
12 ንመዛግብትኺ ኺብዝብዙ፣ ነቕሑ ንግድኪ ኺዘምቱ፣ ንመናድቕኪ ኼፍርሱ፣ ነቲ በብሉጽ ኣባይትኺ ኺፍንጥሑ፣ ነእማንክን ኣዕጻውክን ሓመድክን ኣብ ማእከል ማይ ኪድርብዩ እዮም።
13 ንደሃይ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ድሕርዚ ድማ ቃና መሰንቆታትኪ ኣይኪስማዕን እዩ።
14 ልሙጽ ከውሒ ኽገብረኪ እየ፣ መስጥሒ መርበብ ክትኰኒ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ፣ ከም ብሓድሽ ኣይክትስርሕን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብህማም ምውዳቕኪ፣ እቶም ውጹዓት ውጉኣት ኪቕንዘዉ ኸለዉ፣ ኣብ ማእከልኪ ኪቕተሉ ኸለዉ፣ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይኪሕዘንን እዩ∶
16 ሽዑ ዅላቶም መሳፍንቲ ባሕሪ ካብ ዝፋውንቶም ኪወርዱ፣ ባርኖሶም ኪቕንጥጡ ጥሉፍ ኣልባሶም ኪድርብዩ፣ ስምባድ ኪኽደኑ፣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ፣ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ኪብሉ፣ ብኣኺ ኺስክሑ እዮም።
17-18 ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፣ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፣ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ?ንኪ ብዅሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፣ ከመይ ኢልኪ ዀን ጠፋእኪ፣ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኺንቅጥቀጣ፣ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፣ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም።
19 እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፣ ከምተን ሓደ እኳ ዚነብረን ዜብለን ከተማታት ገይረ፣ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኪኺ፣ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣስራሰርኩ፣ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፣
20 ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኸውርደኪ እየ። ኣባኺ ዚነብሩ ከይህሉስ፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ። ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ ህያዋን ክገብር እየ።
21 መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፣ ኣይክትህልውን ኢኺ። ዝደለየ እኳ እንተ ደለየኪ፣ ከቶ ንዘለኣለም ኣይክትርከብን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ፣
3 ንጢሮስ በላ፣ ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፣ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለዉ ህዝብታት ከኣ እትነግዲ፣ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣቲ ጢሮስ፣ ባዕልኺ፣ ብመልክዕ ፍጽምቲ ኣነ እየ በልኪ።
4 ወሰንኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፣ እቶም ሃነጽትኺ ነቲ መልክዕኪ ፈጸምዎ።
5 ንጐቦታትኪ ብጽሕዲ ሰኒር ሰርሕዎል ደቐል መራኽብ ኪገብሩልኪ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ።
6 መቕዘፊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሰሊሞም፣ በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመጻ ኣእዋም ገበሩ።
7 እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዚዀነኪ ጋንጽላኺ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ቀጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብጺ ነበረ። ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ጁዅን መጋረጃኺ ነበረ።
8 ኣቲ ጢሮስ፣ እቶም ዚቐዝፋልክስ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፣ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ጠቢባንኪ መራሕቲ መራኽብኪ ዀኑ።
9 እቶም ሽማግሌታት ጌባልን እቶም ጠቢባናን ነቲ እተሰብረ ኬጣጥኡስ ኣብ ማእከልኪ ነበሩ። ኵላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን፣ ንግዶም ኪለዋወጡኺ፣ ኣባኺ ነበሩ።
10 ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ። ዋላቱን ቍራዕ ርእስን ሰቐሉልኪ፣ ንሳቶም ጌጽ ሀቡኺ።
11 ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቐጽርኺ፣ ሰብ ገማድያ ኸኣ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ፣ ዋላቱኦም ኣብ ወሰነወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፣ ንመልክዕኪ ፈጸምዎ።
12 ተርሲስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፣ ብብሩርን ሓጺንን ቈርቈሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ።
13 ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ነጋዶኺ ነበሩ፣ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምጽኡ።
14 ካብ ቤት ቶጋርማ በፍራስን በፍራስ ውግእን በባቕልን ገይሮም ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ።
15 ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፣ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነግዶም ኣመሓላለፉ፣ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከኣ ገጽ በረኸት ኣምጽኡልኪ።
16 ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፣ ብክቡር ዕንቍን ብጁዅን ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባን ብዘዓጐልን ብሮቢኖስን ገይሮም፣ ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ።
17 ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፣ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመጸ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ።
18 ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝዀነ ሃብትን ብነቢት ካብ ሄልቦንን ብጸምርን መናግድኺ ነበረት።
19 ዌዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓጺንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ።
20 ዴዳን ብኽቡር መረሻታት ምሳኺ ነግዳ ገበረት።
21 ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ። ምሳኺ ኺነግዱስ ገነሽልን ደዓውልን ኣጣልን ኣምጽኡ።
22 እቶም ነጋዶ ሰባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ። ብብሉጽ ቀመምን ብኽቡር ኣእማን ዘበለን ብወርቅን ተላዋወጡኺ።
23 ካራንን ካኔን ኤድንን፣ ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ።
24 ብብሉጽ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፣ ብኦም ሊባኖስ እተገብረን በግማድ እተኣሰረን፣ ክቡር ዓለባ ዝመልኤ ሳጻውን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ።
25 መራኽብ ተርሲስ ከኣ ቃፍላይ ነግድኺ ነበሩ። መላእኪ እሞ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኣዚኺ ኸበርኪ።
26 እቶም ዚቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፣ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።
27 ሃብትኽን መነጋገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን፣ መራሕቲ መራኽብክን፣ መጣጣእቲ ስቡርክን ነጋዶኽን ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ጭፍራ ውግእክን፣ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኺወድቁ እዮም።
28 ካብ ኣውያት እቶም መራሕቲ መራኽብኪ እተላዕለ እቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።
29 ኵላቶም ብመቕዘፍ ዚቐዝፉን ባሕርኛታትን ኵላቶም መራሕቲ መራክብን ካብ መራኽቦም ኪወርዱ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኪቐሙ እዮም።
30 ብዛዕባኺ ድምጾም ኬስምዑ፣ ኣምሪሮም ድማ ኪበኽዩልኪ እዮም። ኣብ ርእሶም ሓመድ ኪንስንሱ፣ ኣብ ሓመዅስቲውን ጠንቀላዕላዕ ኪብሉ እዮም።
31 ርእሶም ኪላጽዩልኪ፣ ከሊ ኺኦጠቑልኪ፣ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ኪበኽዩልኪ እዮም።
32 እናሕዘንዘኑ ብቝዝማ፣ ከምታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ትም ዘበለዋ፣ ከም ጢሮስ መን ነበረት∶ ኢሎም ዚቝዝሙልኪ እዮም።
33 ኣቓሑ ነግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወጸ፣ ንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም። በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ነግድኽን ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም።
34 በታ ኣብ ባሕሪ፣ ኣብቲ ዓሚቝ ማያት እተሰበርክላ ግዜ፣ ነግድኽን ኵሉ ህዝብኽን ኣብ ማእከልኪ ወደቐ።
35 እቶም ኣብ ደሴታት ዚነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኺስክሑ፣ ነገስታቶም ከኣ ኪርዕዱ እዮም፣ ገጾምውን ኪኽፋእ እዩ።
36 እቶም ነጋዶ ህዝብታት ኪፋጽዩልኪ እዮም። መሰክሒ ዀንኪ፡ ንዘለኣለም ኣይክትህልውን ኢኺ።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንመስፍን ጢሮስ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮ፣ ልብኻ ተዐብዩስ፣ ኣነ ኣምላኽ እየ፣ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣሎኹ፣ ትብል ኣሎኻ እሞ፣ ምንም እኳ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፣ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር፣ ኣምላኽ ኣይኰንካን።
3 እንሆ፣ ካብ ዳንኤል ያኢ ንስኻ ትጠብብ፣ ኵሉ ምስጢርውን ኣይሕብኣካን እዩ።
4 ብጥበብካን በእምሮኻን ሃብቲ ኣጥሬኻ፣ ኣብ መዛግብካ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ።
5 በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብነግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕካ። ብምኽንያት ሃብትኻ ኸኣ ልብኻ ተዐበየ።
6 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፣
7 እንሆ፣ ስለዚ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዚጭክኑ ጓኖት ከተንስኣልካ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ጽባቐ ጥበብካ ሰይፎም ኪመልሑ፣ ግርማኻ ድማ ኬርክሱ እዮም።
8 ናብ ጕድጓድ ኪደፉኡኻ እዮም፣ ንስኻውን ከምቲ እቶም ኣብ ልቢ ባሕሪ ተወጊኦም ዚሞቱላ ሞት ክትመውት ኢኻ።
9 ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደዀን፣ ኣነ ኣምላኽ እየ፣ ክትብል ኢኻ∶ ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ወጋኢኻ ሰብ ኢኻ እምበር፣ ኣምላኽ ኣይኰንካን።
10 ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፣ ንስኻ ከምቲ ኣማውታ ዘይግዙራት፣ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
12 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮ፣ ንስኻ ጥበብ ዝመልኣካ፣ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበርካ።
13 ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ፣ ሰርድዮስ፣ ቶጳዝዮን፣ ከልቄድዮን፣ ክሪሶሊት፣ ሰርዶንክስን፣፣ ያስጲስ ሰፊሮስ፣ ክሪሶጵራስ፣ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፣ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።
14 ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።
15 ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ።
16 ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ።
17 ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ።
18 ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፣ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዚርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ።
19 እቶም ዚፈልጡኻ ዘበሉ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኺስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፣ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ።
20 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጻኒ፣
21 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።
22 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገራ፣ ኣቲ ሲዶን፣ እኔኹ ኣብ ርእስኺ ኣሎኹ። ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክኸብር እየ።ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈጸምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
23 ፌራን ደም ኣብ ኣደባባያን ክሰደላ እየ፣ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸኣ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእከላ ጻሕ ኪብሉ እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
24 ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ኣብ ኵሎም እቶም ዜቃልልዎም ጐደቦታቶም፣ ዚወግእ እሾዅ ወይስ ዜሕምም ተዀርባ ኣይኪህሉን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምኳነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
25 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእከሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ኣከብክዎም፣ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝብታት ኣባታቶም ክቕደስ፣ ንሳቶም ድማ ኣብታ ንያቆብ ባርያይ ዝሀብክዋ ሃገር ኪነብሩ እዮም።
26 ኣብኣ ብህድኣት ኪነብሩ፣ ኣባይቲ ኸኣ ኪሰርሑ፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ እዮም። ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዜቃልልዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፣ ሽዑ ብህድኣት ኪነብሩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።

 

1 ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፣ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጻኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ። ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጽን ከኣ ተነበ፣
3 ተዛረብ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገር፣ ኣታ ፍርኦን ንጉስ ግብጺ፣ ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፣ ንስኻ፣ እቲ ርባይ ናተይ እዩ፣ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፣ እትብል ዘሎኻ፣ እኔኹ ተለዐልኩኻ።
4 ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር፣ ንዓሳታት ርባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፣ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቡቑ ዘሎ ዓሳ ኸኣ ካብ ማእከል ርባታትካ ኸውጽኣካ እየ።
5 ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ርባታትካን ኣብ በረኽ ኽድርብየካ፣ ኣብ መሮር ክትወድቕ፣ ኣይክትእረን ኣይክትእከብን ኢኻ፣ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ወፌኹኻ።
6 እቶም ኣብ ግብጺ ዚነብሩ ዅሎም ንቤት እስራኤልሲ ምርኵስ ሻምብቆ ዀይኖምዎም እዮ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
7 ብኢዶም እንተ ሐዙኻ፣ ተሰበርካ፣ ንኵሉ መንኵቦም ከኣ ወጋእካ፣ እንተ ተጸጎዑኻ ተሰባበርካ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም።
8 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኣልካ፣ ሰብን እንስሳን ድማ ካባኻ ኸጽንቶም እየ።
9 እቲ ርባ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኸኣ እየ ዝገበርክዎ፣ ኢሉ እዩ እሞ፣ ሃገር ግብጺ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።
10 ስለዚ እኔኹ፣ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፣ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ።
11 እግሪ ሰብ ብእእ ኣይኪሐልፍን፣ እግሪ እንስሳ ብኣእ ኣይኪሐልፍን እዩ፣ ነርብዓ ዓመትውን ዚነብራ የብላን።
12 ንሃገር ግብጺ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ። ከተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ኪዀና እየን። ንግብጻውያን ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፣ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክዘርዎም እየ።
13 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብጻውያን ካብ ማእከል እቶም ተዘርዮምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ።
14 ንምርኮ ግብጺ ኽመልሶም፣ ናብታ እተወልዱላ፣ ናብ ሃገር ጳጥሮስ ክመልሶም እየ። ኣብኣውን ለጠቕ ዝበለት መንግስቲ ኪዀኑ እዮም።
15 ካብ ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ ክትብል፣ መሊሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትዕበን እያ። መሊሶም ኣብ ህዝብታት ከይገዝኡስ፣ ከውሕዶም እየ።
16 ድሕርዚ ቤት እስራኤል ብኣታቶም ይኪእመኑን እዮም፣ ናባታቶም ቍሊሕ እንተ በሉ ግና፣ ኣሰባኦም ከዘክርዎም እዮም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
17 ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመት፣ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
18 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን፣ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ፣ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣጽዐሮም፣ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ ዝጸዐሮ ጻዕሪ ንሱ ወይስ ጭፍራኡ ገለ ደመወዝ እኳ ኣይረኸቡን።
19 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ንነቡካደነጾር ንጉስ ባቢሎን ሃገር ግብጺ ኽህቦ እየ። ንሱ ሃብታ ኺወስድ፣ ዚዝረፍ ኪዝርፍ፣ ዚዝመት ከኣ ኪዘምት እዩ፣ እዚ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ኪኸውን እዩ።
20 ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፣ ጻማ ጻዕሩ ሃገር ግብጺ ሀብክዎ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21 በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፣ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእከሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2-3 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ተነበ በልውን፣ መዓልቲ ቐሪባ፣ እወ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፣ መዓልቲ ደበና፣ ጊዜ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ኣየ፣ ተካሊት መዓልቲ፣ ኢልኩም ዋይዋይ በሉ።
4 ሰይፊ ኣብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ፣ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብጺ ምስ ወደቑ፣ ሃብታ ምስ ተወስደ፣ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሃት ኪኸውን እዩ።
5 ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን፣ ኩብን ደቂ እታ ኺዳን ዝኣተወት ሃገርን ምሳታቶም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።
6 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቶም ንግብጺ ዚድግፉ ኺወድቁ እዮም፣ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸኣ ኪዋረድ እዩ። ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴኔ ኣብኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣
7 ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት ከኣ ኪባድሙ እዮም፣ ኸተማታቶም ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ከተማታት ኪዀና እየን።
8 ኣብ ግብጺ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ፣ ደገፍታ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ምስ ተሰባበሩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ነታ ደሓን ኣሎኹ እትብል ኢትዮጵያን ኼሰምብድዋስ፣ ልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገጸይ ኪወጹ እዮም። እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ እሞ፣ ከምቲ ንመዓልቲ ግብጺ ዝዀነ ፍርሃት ኪዀኖም እዩ።
10 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብኢድ ነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኸጥፍኦ እየ።
11 ንሱን ህዝቡ ኸኣ ምስኡን፣ ካብቶም ህዝብታት ኣዝዮም ዚጭክኑ፣ ነታ ሃገር ኬጥፍእዋ ኺወጹ እዮም። ሰይፎም ንግብጺ ኺመልሑላ፣ ነታ ሃገርውን ብቕቱላት ኪመልእዋ እዮም።
12 ነቲ ርባታት ከንጽፎ፣ ነታ ሃገር ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰብ ክሸጣ እየ። ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ።
13 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንጣኦታት ከጥፍኦም፣ ንጣኦታት ከንቱ ኻብ ኖፍ ክጥርሶም እየ። ድሕርዚ ኻብ ሃገር ግብጺ መስፍን ኣይኪኸውንን እዩ፣ ናብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ፍርሃት ከምጽእ እየ።
14 ንጳጥሮስ ከባድማ፣ ኣብ ጾዓን ሓዊ ኽኣጉድ፣ ኣብ ኖ ኸኣ ፍርዲ ኽገብር እየ።
15 ነድረይ ከኣ ናብ ሲና፣ እታ ዕርዲ ግብጺ፣ ክኽዑ፣ ንህዝቢ ኖ ድማ ከጽንቶ እየ።
16 ኣብ ግብጺ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣ ሲን ክትጭነቕ እያ፣ ኖ ኽትጠፍእ እያ፣ ንኖፍ ከኣ ጸላእቲ ብመዓልቲ ኽሕዝዋ እዮም።
17 ኣጕባዝ ኣቤንን ፊ-ቤሴትን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ንሳተን ከኣ ኪማረኻ እየን።
18 ኣርዑት ግብጺ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፣ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፣ ኣብ ታህፋኔስ መዓልቲ ኽትጽልምት እያ። ደበና ኼጐልብባ እዩ፣ ኣዋልዳ ድማ ኪማረኻ እየን።
19 ከምዚ ገይረ ኣብ ግብጺ ፍርዲ ኸፈርድ እየ፣ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
20 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፣ ኣብታ ቐዳማይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
21 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንቕልጽም ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሰበርክዋ፣ እንሆ ድማ፣ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል፣ ዚሰፋ፣ ፈውሲ ገይረ ኸኣ ብዓለባ ዚዝንና የልቦን።
22 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣብ ርእሱ ኣሎኹ፣ ነተን ቀላጽሙ፣ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን፣ ክሰብረን፣ ነቲ ሰይፊ ኸኣ ካብ ኢዱ ኸውድቖ እየ።
23 ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፣ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ።
24 ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዔን፣ ሰይፈይ ድማ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፣ ንቐላጽም ፈርኦን ግና ክሰብረን እየ፣ ንሱ ድማ ከምቲ ንሞት እተወግኤ ሰብኣይ ዚቝንዞ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኪቝንዞ እዩ።
25 ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዔን እየ፣ ቀላጽም ፈርኦን ግና ዘርጋሕ ኢለን ኪወድቃ እየን። ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሐዝክዎ፣ ንሱውን ኣብ ሃገር ግብጺ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
26 ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፣ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

 

1 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፣ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ነቲ ብዙሕ፣ ብዕቤትካ ንመን ትመስል∶ በሎ፣
3 እንሆ፣ ኣሶር ጨናፍሩ ዝጽቡቕ፣ ጽላሉ ዝዕሙር፣ ቍመቱ ዝነዊሕ ኦም ሊባኖስ ነበረ። ጫፉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ነበረ።
4 ማያት መገቦ፣ መዓሙቝ ኣዕበዮ፣ ውሒዝ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሐዘ፣ መሳኑኡ ድማ ናብ ኵሉ ኣእዋም መሮር ሰደደ።
5 ስለዚ ቝመቱ ካብ ኵለን ኣእዋም መሮር ተመልመለ፣ ሳላ እቲ ዜዐምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት፣ ጨናፍሩ ብዝሔ፣ ዘፋፍሩ ነውሔ።
6 ኣብቲ ጨናፍሩ ዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፣ ኣብ ትሕቲ ዘፋፍሩ ድማ ኵሎም እንስሳ መሮር ተዋለዱሉ፣ ኣብ ጽላሉ ኸኣ ኵሎም ዓበይቲ ህዝብታት ይቕመጡሉ ነበሩ።
7 ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፣ ብዕቤቱን ብምናሕ ጨናፍሩን ጽቡቕ ነበረ።
8 ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ኪኸውሎ ኣይከኣለን፣ ጽሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተኻኸሎን፣ ጸሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፣ ኣብ ገነት ኣምላኽ ካብ ዘሎ ኦምሲ ሓንቲ እኳ ብጽባቐ ኣይተመዐራረዮን።
9 ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፣ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘለዋ ኣእዋም ኤድን ከኣ ኵላተን ቀንኣሉ።
10 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብቝመት ክብ ስለ ዝበልካ፣ ጫፉ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ስለ ዝገበረ፣ ብምኽንያት ቍመቱ ልቡ ስለ እተዐበየ፣
11 ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ናይ ህዝብታት፣ ከም ድሌቱ ኺገብሮስ፣ መጦኽዎ። ብሰሪ ረሲእነቱ ደርቤኽዎ።
12 እቶም ጓኖት፣ ናይ ህዝብታት ጨካናት፣ ቈረጽዎን ደርበይዎን። ጨናፍሩ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ርባርባን ወደቐ፣ ጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣጻድፍ እታ ሃገር ተደርቀመ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ ካብ ጽላሉ ተዛሕጡ፣ ሐደግዎውን።
13 ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዲ ዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፣ ኵሎም እንስሳ መሮር ድማ ኣብ ጨንገፉ ሰፈሩ።
14 እተን ኣብ ማይ እተተኽላ ዘበላ ኣእዋም ብቝመተን ከይዕበያን፣ ጫፈን ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ዚወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ ንመዐሙቝ ምድሪ፣ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፣ እተን ማያት ዚሰትያ ዘበላ ዅለን ሓያላት ብትዕቢት ከይቈማስ፣ እዚ ዀነ።
15 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ ሰብ ከም ዚቝዝሙ ገበርኩ። ብሰሩ ንመዓሙቝ ኣጐልበብኩ፣ ንወሓይዙ ኸልከልኩ፣ ዓበይቲ ማያት ተዐግተ፣ ብሰሩ ንሊባኖስ ኣጸለምክዎ፣ ብሰሩ ዅለን ኣእዋም መሮር ሓዘን ኰና።
16 ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎም፣ ካብ ደሃይ ምውዳቑ እተላዕለ ንህዝብታት ራዕራዕ ኣበልክዎም። ኵላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሔሕሩያትን ጸጽቡቓትን ኣእዋም ኤድን፣ ማይ ዚሰትያ ዝነበራ ዘበላ ኵለን፣ ኣብቲ መዓሙቝ ምድሪ ተጸናንዓ።
17 ንሳቶም ድማ፣ ናብቶም ቅልጽሙ ዀይኖም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ እተቐትሉ፣ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።
18 እምበኣረይ፣ ብኽብረትን ዕቤትን ኣብ ማእከል ኣእዋም ኤድንሲ ንመን ኢኻ እትመስል∶ ከምኡ ኸኣ ንስካ ምስተን ኣእዋም ኤድን ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፣ ኣብ ማእከል እቶም ዘይተገዝሩ ኣብ ማእከል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ። እዚ ፈርኦንን ኵሎም ህዝቡን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

1 ኰነ ድማ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት፣ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድጕዓ መልቀስ ደጕዓሉ፣ በሎውን፣ ንስኻ ኣብ ማእከል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፣ ኣብ ባሕርታት ከኣ ከም ገበል ትመስል ነበርካ፣ ኣብ ርባታትካ ጨንደላሕ በልካ፣ በእጋርካ ማያት ኣናወጽካ፣ ነቲ መሳኑ ድማ ዘርግካዮ።
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብእኩባት ብዙሓት ህዝብታት ገይረ ኣነ መርበበይ ክዝርግሓልካ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብመርበበይ ኪስሕቡኻ እዮም።
4 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጻሕ ከብለካ፣ ኣብ መሮር ክድርብየካ፣ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ። ኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኸጽግቦም እየ።
5 ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ከንብሮ፣ ንሽንጭሮታት ከኣ በቲ ኣሰከሬንካ ኽመልኦ እየ።
6 ነታ እትምሕሰላ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ኣኽራን ብደምካ ኸስትያ እየ፣ እቲ ርባታት ከኣ ብኣኻ ኪመልእ እዩ።
7 ከጥፍኣካ ኸሎኹ፣ ንሰማያት ከጐልብቦ፣ ንኸዋኽብቱ ኸኣ ከጸልምቶም፣ ንጸሓይ ብደበና ክኽውላ እየ፣ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ።
8 ንዅሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰርኻ ኸጸልምቶ፣ ኣብ ሃገርካውን ጸልማት ክዝርግሕ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9 ወረ ጥፍኣትካ ናብ ህዝብታት፣ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገራት ምስ ኣብጻሕኩ፣ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከሕዝን እየ።
10 ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኦም ማሕማሕ ከብሎ ኸሎኹ፣ ንብዙሕት ህዝብታት ብኣኻ ኽሰክሖም እየ፣ ነገስታቶም ድማ ኣዝዮም ኪርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኵሉ ጊዜ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ኪብል እዩ።
11 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ኪለዐለካ እዩ።
12 ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኵላቶም ካብ ህዝብታት ዚጭክኑ እዮም። ንሓበን ህዝቡ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ።
13 ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙህ ማያት ዝነበሩ ዅሎም እንስሳኡ ኸጥፍእ እየ። ድሕርዚ እግሪ ሰብ ኣይኪዘርጎን ሸዀና እንስሳውን ኣይኪዘርጎን እዩ።
14 ሽዑ ንማያቶም ከጽርዮ እየ፣ ንርባታቶም ድማ ከም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 ነታ ሃገር ግብጺ በረኻ ምስ ገበርክዋ፣ እቲ ነታ ሃገር መሊእዋ ዝነበረ ምስ ወቓዕክዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
16 እቲ ዚድጓዕ ድጕዓ መልቀስ እዚ እዩ። ኣዋልድ ህዝብታት ኬልቅሳኦ፣ ብዛዕባ ግብጽን እቲ ብዙሕ ህዝባን ኬልቅሳላ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
17 ኰነ ኸኣ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓምት፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣
18 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኣልቅሰሉ፣ ንእኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኣውርደን።
19 ብጽባቐስ ካብ መን ትበልጺ∶ ውረዲ፣ ምስቶም ዘይግዙራት ከኣ ደቅሲ።
20 ኣብ ማእከል እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም። እቲ ሰይፊ ተዋሂቡ ኣሎ። ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጓትትዋ።
21 ካብቶም ጀጋኑስ እቶም ኣውራታት ሓያላት ካብ ውሽጢ ሲኦል ንእኡን ንደገፍቱን ከምዚ ኢሎም ኪዛረብዎ እዮም፣ እቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም፣ ኣብኡ በጥ ኢሎም ኣለዉ።
22 ኣብኡ ኣሶርን ኵሉ ህዝባን ኣለዉ፣ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኵላቶም ተቐትሉ፣ ብሰይፊ ወደቑ።
23 መቓብሮም ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ፣ ህዝባ ኸኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ። እቶም ኣብ ሃገር ህያዋን ዜስክሑ ዝነበሩ ኵላቶም ተቐቲሎም ብሰይፊ ወዲቖም እዮም።
24 ኣብኡ ዔላምን ኵሉ ህዝባን ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኵላቶም ተቐትሉ፣ ብሰይፊ ወደቑ፣ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ዝነበሩ ዘይግዙራት ናብ መዓሙቝ ምድሪ ወረዱ፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ተሰከሙ።
25 ንእኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእከል እቶም ቅቱላት ኣንጸፍሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ነበሩ እሞ፣ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም፣ ነውሮም ድማ ምስትም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ተሰከሙ። ኣብ ማእከል ቅቱላት ተነብረ።
26 ኣብኡ መሴክን ቱባልን ምስ ኵሉ ህዝቦም ኣለዉ። ኣብ ዙርያኣ መቓብር ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፣ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም።
27 ንሳቶም ከኣ ምስቶም ካብቶም ዘይግዙራት ዝወደቑ ምስ ኣጽዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፣ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስያፎም ዘንበሩሎም ጀጋኑ፣ ምሳታቶም ኣይድቅሱን እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሕ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፣ ኣበሳኦም ኣብ ልዕሊ ኣዕጽምቶም እዩ።
28 ንስኻ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት ክትሰባበር፣ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ክትድቅስ ኢኻ።
29 ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም መሳፍንታን ኣለዉ። እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ተነብሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱን ዘይግዙራትን ደቂሶም ኣለዉ።
30 ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ ኵላቶም መሳፍንቲ ሰሜንን ኵላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዜስክሑ ኽነሶም ነዊሮም፣ ዘይግዙራት ኰይኖም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ይድቅሱ ኣለዉ፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ይጾሩ ኣለዉ።
31 ፈርኦን ኪርእዮም፣ ስለ ዅሉ ህዝቡ ኸኣ ኪጸናናዕ እዩ። ፈርኦንን ኵሉ ሰራዊቱን ብሰይፊ ተቐቲሎም እዮ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣
32 ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዚኸውን ከምጽእ እየ እሞ፣ ንፈርኦንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት፣ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኬብልዎም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዘዝዎ፣
3 ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረኣየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣጠንቀቖም፣
4 ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፣ ሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።
5 ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፣ ንነፍሱ መድሐና ነይሩ።
6 እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፣ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖም፣ ሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።
7 እምበኣርሲ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፣ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
8 ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ኣታ ረሲእ፣ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ኢልካ ኺጥንቀቕ፣ እንተ ዘይተዛረብካዮ፣ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።
9 ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ንሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።
10 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩምሲ፣ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ኣብ ርእስና እዩ፣ ንሕና ኸኣ ብሰሩ ንሕለል ኣሎና። ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና∶ ኢልኩም ትብሉ ኣሎኹም፣ በሎም።
11 ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፣ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ∶ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፣ ተመለሱ፣ በሎም።
12 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፣ ጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖን እዩ። ረሲእነት እቲ ረሲእ ከኣ፣ በታ ኻብ ርሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖን እዩ። እቲ ጻድቕሲ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጻድቁ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ።
13 ነቲ ጻድቕ፣ ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ብጽድቂ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ፣ ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኺመውት እዩ እምበር፣ እቲ ዅሉ ጽድቁ ኣይኪዝከረሉን እዩ።
14 ነቲ ረሲእ ድማ፣ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፣ ፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ፣
15 ረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰ፣ ዝዘመቶ እንተ ኸሐሰ፣ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።
16 እቲ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉን። ፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፣ ርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።
17 ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ይብሉ ኣለዉ። ግናኸ ኣይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ።
18 ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ ብሰራ ኺመውት እዩ።
19 ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፣ ፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ሳላኤን ብህይወት ኪነብር እዩ።
20 ንስኻትኩምሲ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ትብሉ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ።
21 ኰነ ድማ፣ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፣ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፣ ነታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናባይ መጸ እሞ፣ እታ ኸተማስ ተትሒዛ፣ በለኒ።
22 እቲ ዘምለጠ ኸይመጸ ኸሎ፣ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረት፣ ንጽባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዚመጸኒ ኸኣ፣ ኣፈይ ከፈተለይ። በዚ ኸምዚ ኣፈይ ተኸፍተለይ፣ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይኰንኩን።
23 ከምዚ ዚብል ቃል፣ እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
24 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ሃገር እስራኤል ዘለዉ፣ ኣብርሃም ሓደ ንበይኑ ነበረ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ተረስተያ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፣ እታ ሃገር ድማ ርስቲ ኽትከውን ንኣና ተዋሂባ እያ፣ ይብሉ ኣለዉ።
25 ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣሎኹም፣ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣኦታትኩም ቍሊሕ ይብላ ኣለዋ’ ደም ትኽዕዉ ኣሎኹም፣ ምስናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም∶
26 ኣብ ሰይፍኹም ትጽግዑ፣ ጽያፍ ትገብሩ ኣሎኹም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብጻዩ የርክስ ኣሎ፣ ምስ ናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም∶
27 እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ነሮም፣ ኣነ ህያው እየ፣ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብርግጽ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ነቲ ኣብ መሮር ዘሎ ኸኣ ንኣራዊት ብልዒ ኪኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕርድን ኣብ በዓትታትን ዚነብሩ ድማ ብፌራ ኪሞቱ እዮም።
28 ኣነ ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ። እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ጥራስ ኪጠፍእ እዩ። ኣኽራን እስራኤል ድማ ዚሐልፈሉ ዜብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ።
29 ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ዘበለ ዅሉ ጽያፎም ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መስክሕን ምስ ገበርክዋ፣ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
30 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፣ ንድሓሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፣ እስከ ንዑናይ፣ ካብ እግዚኣብሄር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ፣ ይባሃሀሉ ኣለዉ።
31 ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፣ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፣ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፣ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ።
32 እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፣ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፣ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም።
33 ምስ ዚመጽእ ግና፦ እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ፦ ሽዑ ነብዪ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ∶
3 ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፣ ጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን።
4 ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፣ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፣ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፣ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፣ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፣ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን።
5 ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ።
6 ኣባጊዔይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፣ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፣ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን።
7 ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶት፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣
8 ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶተይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣
9 ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶት፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣
10 እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ እንሆ፣ ኣብቶም ጓሶት እጥልቕ ኣሎኹ፣ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፣ ጕስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፣ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፣ ይብል ኣሎ።
11 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፣ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ።
12 ከምቲ ጓሳ፣ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልየን፣ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፣ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ።
13 ካብ ህዝብታት ከውጽኤን፣ ካብ ሃገራት ክእክበን፣ ናብ ሃገረን ድማ ክመልሰን፣ ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ ኣብቲ ሰብ ዚነብረሉ ኵሉ ቦታ እታ ሃገርን ክጓስየን እየ።
14 ኣብ ልሙዕ መጓስዪ ኸውፍረን እየ፣ ደምቢኤን ከኣ ኣብቲ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ደምበ ኺድቅሳ፣ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ኪጓሰያ እየን።
15 ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ኸውፍረን ባዕለይ ድማ ከስፍረን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16 ዝጠፍኤት ክደሊ፣ እተባረረት ክመልስ፣ እተሰብረት ክዘንን፣ ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ፣ ነታ ዝሰብሔትን ዝበርትዔትን ግና ከጥፍእ፣ ብፍርዲውን ክጓስየን እየ።
17 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣትን ኣባጊዔይ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፣ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ።
18 ነቲ ካብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒድኩም እዩ∶ ነቲ ዝተረፈ ማይ ምስታይዶ ውሒድኩም እዩ∶
19 እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ በእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፣ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን∶
20 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እኔኹ፣ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ።
21 ንዅለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጕጕኩም ፋሕ እተብልወን፣ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወን፣ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፣
22 ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፣ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፣ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ።
23 ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳ፣ ዳዊት ባርያይ፣ ከተንስኣለን እየ። ንሱ ኺጓስየን፣ ጓሳኤን ድማ ኪኸውን እዩ።
24 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ።
25 ኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፣ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ፣ ኣብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን።
26 ኣነ ኸኣ ንእኤንን ነቲ ኣብ ዙርያ ኹርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብግዜኡ ኸውርድ እየ፣ ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ።
27 ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ፣ ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም። ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፣ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከኣ ምስ ኣናገፍክዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
28 ድሕርዚ ዘመተ ህዝብታት ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም። ኤረ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም፣ ዜፍርሆምውን የልቦን።
29 ንናእዳ ዚዀኖም ተኽሊ ኸተንስኣሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ኣይኪጠፍኡን፣ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት ኣይኪጾሩን እዮም።
30 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
31 ኣቱም ኣባጊዔይ፣ ኣባጊዕ መውፈረይ፣ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ከረን ሳዒር ኣብል ተነበየሉ ኸኣ፣
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮ፣ ኣታ ኸረን ሳዒኢር፣ እኔኹ እጥልቐልካ ኣሎኹ፣ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።
4 ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፣ ንስኻ ድማ ክትባድም ኢኻ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጥ ኢኻ።
5 ናይ ሓዋሩ ጽልኢ ስለ ዝገበርካ፣ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ጸበባኦምን በቲ ኣበሳኦም እተፈጸመሉ ጊዜስ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፣
6 ስለዚ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንደም ክውፍየካ እየ፣ ደም ከኣ ኪሰጐካ፣ ደም ኣይጸላእካን እሞ፣ ደም ኪሰጐካ እዩ።
7 ንኸረን ሳዒር ባዶን በረኻን ክገብሮ፣ ነቲ ብእኡ ዚኸይድን ዚምለስን ድማ ከጽንቶ እየ።
8 ነኽራኑ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ። ኣብቲ በረኽትካን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ርባርባታትካን ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም።
9 ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፣ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ኪዀና እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።
10 እግዚኣብሄር ኣብኣ ኸሎስ፣ ንስኻ፣ እዞም ክልተ ህዝብን እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ኪዀና፣ ንሕና ኽንወርሶም ኢና፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣
11 ስለዚ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣነ ኸምቲ ዅራኻን፣ ከምቲ ጸሊእካ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ። ምስ ፈርድኩኻ ኸኣ፣ ኣብ ማእከሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ።
12 እቲ ነኽራን እስራኤል፣ በረኻ ዀይኑ፣ ብልዒ ኪኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ፣ ኢልካ እተዛረብካዮ ኵሉ ጸርፍኻ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ።
13 ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዐቤኹምለይን ዘረባ ኸም ዘብዛሕኩምለይን፣ ሰሚዔዮ ኣሎኹ።
14-15 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፣ ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ ከላ፣ ኣነ ኸባድመካ እየ፣ ከምቲ ብምብዳም ርስቲ ቤት እስራኤል እተሐጐስካዮ፣ ከምኡ ኸውርደልካ እየ። ኣታ ኸረን ሳዒር፣ ክትባድም ኢኻ፣ ኵላ ኤዶም ብዘላውን ከምኡ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣ ይብል ኣሎ።

 

1 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነኽራን እስራኤል ተነበየሎም፣ ኣቱም ኣኽራን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ከኣ በሎም።
2 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቲ ጸላኢ፣ ኣሰይ፣ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ዀነ፣ ኢሉ ብዛዕባኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፣
3 ስለዚ ተነበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገር፣ ነቶም ዝተረፉ ህዝብታት ርስቶም ምእንቲ ኽትኰኑስ፣ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውሒጦጦምኹምን፣ መዛረብ ልሳንን መሕመዪ ህዝብን ከኣ ኴንኩም ኢኹም እሞ፣
4 ስለዚ፣ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፣ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን ነተን እተሐድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያኤን ዝተረፉ ህዝብታትሲ ንዘመተን ልግጫን ኰይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፣
5 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሐጕሶም፣ ብነፍሶም ንዒቖም፣ ዘመተ ኽትከውንሲ፣ ነታ ሃገረይ እተረስተየዋ ተረፍ ህዝብታትን፣ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ።
6 እምብኣርሲ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እንሆ፣ ንስኻትኩም ነውሪ ህዝብታት ስለ እተሰከምኩም፣ ኣነ ብቕንኣተይን ብነድረይን ተዛረብኩ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ብዘዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ።
7 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፣ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት ንሳቶም ነውሮም ኪስከሙ እዮም።
8-9 ግናኸ፣ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፣ እኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፣ ናባኻትኩምውን ከብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፣ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፣ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ኪጭብጭብ፣ ፍሬኹም ከኣ ኪፈሪ እዩ።
10 ኣባኻትኩም ንዅላ ብዛላ ቤት እስራኤል ከኣ ሰብ ከብዝሓላ እየ። ከተማታት ኪስፈር፣ ዑናታት ድማ ኪስራሕ እዩ።
11 ኣነ ኸኣ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኪባዝሑን ኪፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሓድር ክገብረኩም እየ፣ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለጸ ኸኣ ሰናይ ክገብረልኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።
12 ንሰብ፣ ህዝበይ እስራኤል፣ ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ። ኪወርሱኻ እዮም፣ ርስቶም ከኣ ክትከውን ኢኻ፣ ድሕርዚውን ውሉድ ዜብሎም ኣይክትገብሮምን ኢኻ።
13 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሰብ በሊዕኪ፣ ንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዜብሉ ጌርክዮ ኢኺ፣ ይብሉኹም ኣለዉ እሞ፣
14 ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕን፣ ንህዝብኺውን ውሉድ ዜብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይከስምዓክን እየ፣ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፣ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
17 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ቤት እስራኤል ኣብ ሃገሮም ከለዉ፣ ብመገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ። መገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ጽግያት ሰበይቲ ነበረ።
18 ሽዑ ብሰሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝኸዓውዎ ደምን ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዘርከስዋን ኵራይ ከዖኹሎም።
19 ኣብ ማእከል ህዝብታት ዘሮኽዎም፣ ኣብ ሃገራት ከኣ ፋሕ በሉ፣ ኣነውን ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም።
20 ብዛዕባኦም ከኣ እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፣ ካብ ሃገሩ ወጺኦም፣ እናተባህለስ፣ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፣ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ።
21 ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ ዘዝአተውዎም ህዝብታት ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ነሐፍክዎ።
22 ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንቤት እስራኤል ንገሮም፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝአተኽምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፣ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ።
23 ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ፣ ኣብ ማእከሎም ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፣ እቶም ህዝብታት ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24 ካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፣ ካብ ኵሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም እየ፣ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ።
25 ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ።
26 ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
27 ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፣ ብትእዛዛተይ ከመላልሰኩም፣ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ።
28 ኣብታ ነቦታትኩም ዝሀብኩዋ ሃገር ክትነብሩ፣ ህዝቢ ኸኣ ክትኰኑኒ ኢኹም፣ ኣነውን ኣምላኽ ክዀነኩም እየ።
29 ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከኣ ከናግፈኩም፣ ንእኽሊ ኽጽውዖን ከብዝሖን እየ፣ ድሕርዚውን ጥሜት ኣይከምጽኣልኩምን እየ።
30 ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ጸርፊ ጥሜት ከይትጾሩስ፣ ፈረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ።
31 ሽዑ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ዘይሰናይ ተግባራትኩምን ክትዝክሩ፣ ብሰሪ ኣበሳኹምን ጽያፍኩምን ከኣ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።
32 ኣቱም ቤት እስራኤልሲ፣ እዚ ምእንታኹም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፣ ኣባኻትኩም ይፈልጥ፣ ብሰሪ መገድታትኩም ሕፈሩን ነውሩን፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
33 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ኣበሳኹም ዘንጽሃላ መዓልቲ፣ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዚነብረን፣ እቲ ዑናታት ከኣ ከም ዚስራሕ ክገብሮ እየ።
34 እታ ዝባደመት ምድሪ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፣ ክትሕረስ እያ።
35 ሽዑ ኸኣ፣ እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ኰነት፣ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ እተዐርዳን፣ ሰብ ዚነብረለንን ኰና፣ ኪበሀል እዩ።
36 እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕክዎ፣ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፣ ክገብሮ ድማ ኣየ።
37 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ምስናይ እዚ፣ ንቤት እስራኤል እዚ ኽገብረሎም እየ። ነቶም ሰብ ከም መጓሴታት ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።
38 ከምተን ዝተቐደሳ መጓሰ፣ ከምተን መጓሰ የሩሳሌም ኣብቲ በዓላታ ኸምኡ እተን ዝባደማ ኸተማታት ብመጓሴታት ሰብ ኪመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

1 ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፣ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፣ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነብረ።
2 ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ብዙሕ ነበረ፣ እንሆውን፣ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ።
3 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን እዩ? በለኒ። ኣነ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንስኻ ትፈልጥ፣ ኢለ መለስኩ።
4 ንሱ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፣ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ በለኒ።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።
6 ጅማውቲውን ኸንብረልኩም፣ ስጋ ኽገብረልኩም፣ ብቘርበት ክኸድነኩም፣ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
7 ከምቲ እተአዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹ። ክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፣ እንሆ ኸኣ፣ ፍኒሕኒሕ ኰነ፣ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሙ ተቓራረበ።
8 እንሆ ኸኣ፣ ጅማውትን ስጋን ኪወጾም፣ ቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፣ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።
9 ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ፣ ንንፋስ ተነበየሉ፣ ንንፋስ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣታ ትንፋስ፣ እዞም ህያዋን ኪዀኑስ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብዚኦም ንፈስ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮ ፣ በለኒ።
10 ኣነ ኸኣ ኸምቲ ዝአዘዘኒ ተነቤኹ፣ ትንፋስ ድማ ኣተዎም። ህያዋን ኰኑ፣ በእጋሮም ከኣ ቘሙ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ።
11 ሽዑ ንሱ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዅላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፣ ንሳቶም፣ ዓጻጽምትና ነቐጸ፣ ተስፋና ተቐብጻ፣ ንሕና ጠፊእና ኢና፣ ይብል ኣለዉ።
12 ስለዝተነበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፣ ኣቱም ህዝበይ፣ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፣ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወኩም እየ።
13 ኣቱም ህዝበይ፣ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፣ ካብ መቓብራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፣ ኣነ ኣግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
14 መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር።
15 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
16 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ሓደ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፣ ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብጾቱን፣ ኢልካ ጽሐፈሉ። ድሕሪኡውን ካልእ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፣ ንዮሴፍ ዕጨይቲ ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብጾቱን፣ ኢልካ ጽሐፈሉ።
17 ሓደ ዕጨይቲ ኪኸውንሲ፣ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ሓደ ክኸውን እዩ።
18 እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፣ በዝስ እንታይ ከም ዝዀነ ሓሳብካዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ∶ ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፣
19 ንስኻ ኸኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ነገድ እስራኤል ብጾቱን ዘሎ ዕጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፣ ኣብቲ ዕጨይቲ ይሁዳ ኸኣ ክድርቦም፣ ኣብ ኢደይ ሓደ ኪዀኑስ፣ ሓደ ዕጨይቲ ኽገብሮም እየ።
20 እቲ ዝጸሐፍካሉ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ።
21 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፣ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ሃገሮምውን ከእትዎም እየ።
22 ኣብታ ሃገር ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፣ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፣ ድሕርዚ ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን፣ ድሕርዚውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም።
23 ድሕርዚ ደጊም በቲ ጣኦታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም። ኣነ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዚገብሩሉን ዚነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
24 ዳዊት ባርያይ ከኣ ኪነግሶም፣ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኪዀኖም እዩ፣ ብፍርደይ ከኣ ኪመላለሱ፣ ንሕጋጋተይውን ኪሕልውዎን ኪገብርዎን እዮም።
25 ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሀብክዎ፣ ኣቦታትኩ ከኣ ዚነበርዋን ሃገር ኪነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን ንዘለኣለም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ዳዊት ባርያይ ድማ ንዘለኣለም መስፍኖም ኪኸውን እዩ።
26 ኪዳን ሰላም ኪኣትወሎም እየ፣ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ኪዀነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ። መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ከቝሞ እየ።
27 ማሕደረይ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኾም ኪኸውን እየ፣ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።
28 መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ ህዝብታት እቲ ንእስራኤል ዚቕድስሲ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

 

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፣ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፣ መልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉ፣
3 በልውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክ ቱባልን ኣብ ክሳድካ ኣሎኹ።
4-5 ክመልሰካ፣ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፣ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ፣ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፣ ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ፣ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፣ ኵላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፣ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፣ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ።
6 ጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፣ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም።
7 ተዳሎ፣ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፣ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን።
8 ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፣ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፣ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፣ ኵላቶም ሀዲኦም ይነብሩላ ኣለዉ።
9 ንስኻ ኽትድይብ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፣ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብባ ደበና ኽትከውን ኢኻ።
10 ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፣ እኩይ እማመ ኽትእምም ኢኻ፣
11 እሞ፣ ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ፣ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፣ ዅላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፣ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፣ ክትብል ኢኻ።
12 ክትማርኽን ክትብዝብዝን፣ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ፣ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፣ ካብ ህዝብታት እተኣከበ፣ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።
13 ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኵር ኣናብሱን፣ ምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካ∶ ዘመተ ኽትዘምት፣ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፣ ከብትን ሃብትን ክትሕዝ፣ ብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም∶ ኪብሉኻ እዮም።
14 ስለዚ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ ኣስራኤል ሀዲኡ ምስ ተቐመጠ፣ ኣይክትፈልጦን ዲኻ∶
15 ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፣ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡን ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ።
16 ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፣ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፣ እቶም ህዝብታት፣ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ፣ ኪፈልጡንስ፣ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ።
17 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኦም ከም ዘምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን∶
18 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፣ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፣ ይብል ኣሎ።
19 ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል ኣሎኹ፣ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኸውን እዩ።
20 ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣኽራን ኪግልበጥ፣ ኣኻውሕ ኪፈርስ፣ ኵሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ኣብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ።
21 ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኸውን እዩ።
22 ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣባኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ።
23 በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምኻነይ ክግሀድ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንስቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

1 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንጎግ ተነበየሉ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮ፣ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፣ እኔኹ፣ ከረኻኽበልካ እየ።
2 መሪሔን ደሪኸን ካብ ወሰን ሰሜን ከውጽኣካ፣ ናብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ከእትወካ እየ።
3 ንቐስትኻ ካብታ ጸጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፣ ንፍላጻታትካ ኸኣ ካብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ።
4 ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከትወድቅ ኢኻ። ኪበልዑኻውን ንጋባትን ንበብዓይነቶም ዚዀኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ግዳምን ክውፍየካ እየ።
5 ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፣ ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
6 ኣብ ማጎግን ናብቶም ኣብ ደሴታት ሀዲኦም ዚነብሩ ዘለዉን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
7 እቲ ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ ኣየ። ድሕርዚ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ። እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
8 እንሆ፣ ይመጽእ ኪኸውን ድማ እዩ። እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9 እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ ድማ ኪወጹ እዮም እሞ፣ ኣጽዋርን ዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላጻታትን ኣጕማድን ኲናውትን ሓዊ ኣጒዶም ኬንድድዎ እዮም። ሾብዓተ ዓመትውን ብእኡ ሓዊ ኼንድዱ እዮም።
10 በቲ ኣጽዋር ገይሮም ሓዊ ኺአጕዱ እዮም እሞ፣ ካብ መሮር ዕጨይቲ ኣይከእትዉን፣ ካብ ዱር ከኣ ኣይኪቘርጹን እዮም። ነቶም ዝገፈፍዎም ኪገፍዎም፣ ነቶም ዝዘመትዎም ከኣ ኪዘምትዎም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ባሕሪ ዘሎ፣ ለሰ ሓለፍቲ መገዲ ዚበሀል መቓብር ክህቦ እየ። ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኸኣ መገዶም ኪዐጽወሎም እዩ። ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ሰቡን ኪቐብርዎም እዮም። ለሰ ሃሞና-ጎግ ድማ ኪበሀል እዩ።
12 ቤት እስራኤል ከኣ፣ ነታ ሃገር ምእንቲ ኼጽርዩስ፣ ብሾብዓተ ወርሒ ኪቐብርዎም እዮም።
13 ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ኪቐብሮም እዩ። እዚውን በታ ኣነ ዚኸብረላ መዓልቲ ንስም ኪዀኖም እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
14 ምእንቲ ኼጽርዮስ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዚጸንሑ ኪቐብሩ፣ ምስቶም ቀባሮ ኸይኖም ነታ ሃገር ከየቛረጹ ዚዞርዋ ሰብኡት ኬመቕርሑ እዮም። ድሕሪ ሾብዓተ ወርሒ ሃለው ኪብሉ እዮም።
15 እቶም እናዞሩ በታ ሃገር ዚሐልፉ፣ ሓደ ኻብኦም ዓጽሚ ሰብ እንተ ረኣየ፣ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሃሞና-ጎግ ክሳዕ ዚቐብሮም፣ መሓበርታ ኺገብረሉ እዩ።
16 ስም እታ ኸተማ ኸኣ ሃሞና ኺበሀል እዩ። በዚ ኸምዚ ነታ ሃገር ኬጽርይዋ እዮም።
17 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን ንዅሎም ኣራዊት መሮርን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ ተኣኻኺብኩም ንዑ። ስጋ ኽትበልዑ ደም ከኣ ክትሰትዩስ፣ ናብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መስዋእቲ፣ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ ኣኽራን እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣካኸቡ።
18 ስጋ እቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፣ ደም እቶም ምሳፍንቲ ምድሪ ኽትሰዩ ኢኹም። ናይ መኻክትን ገናሽልን ድቤላታትን ኣብዑርን እዩ፣ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም።
19 ካብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ ክሳዕ እትጸግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፣ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም።
20 ኣብ መኣደይ በፍራስን ብፈረሰኛታትን ብጀጋኑን ብዅሎም እቶም ተዋጋእትን ክትጸግቡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21 ኣነ ኸኣ ግርማይ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክገልጽ እየ። ኵሎም ህዝብታት ድማ ነቲ ዝፈጸምክዎ ፍርደይን ነታ ኣብ ልዕሊኦም ዘንበርክዎ ኢደይን ኪርእዩ እዮም።
22 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
23 እቶም ህዝብታት ከኣ፣ ቤት እስራኤል ብሰሪ ኣበሳኦም ከም እተማረኹ ኺፈልጡ እዮም። ንኣይ ጠሊሞም እዮም እሞ፣ ገጸይ ከወልኩሎም፣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ወፌኽዎም፣ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ።
24 ከም ርኽሰቶምን ከም ኣበሳኦምን መጠን ገበርክዎም፣ ገጸይ ከኣ ከወልኩሎም።
25 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሕጂ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፣ ንዅላ ቤት እስራኤል ከኣ ክምሕራ፣ ስለ እቲ ቅዱስ ስመይ ድማ ክጽዕት እየ።
26-27 ካብ ማእከል ህዝብታት ምስ መለስክዎም፣ ካብ ሃገር ጸላእቶምውን ምስ ኣካኸብክዎም፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ኣባታቶም ምስ ተቐደስኩ፣ ሓደ እኳ ዜፍርሆም ዜብሎም ኣብ ሃገሮም ሀዲኦም ምስ ተቐመጡ፣ ነውሮም ንኣይ ዝጠለምዎ ዅሉ ጥልመት ኪጾሩ እዮም።
28 ኣነ ናብ ማእከል ህዝብታት ኣማሪኸዮም ነይረስ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣብኣ ኸየትረፍኩ ናብ ሃገሮም ምስ ኣካኸብክዎም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
29 መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ምስ ከዖኹ፣ ድሕሪ ደጊም ገጸይ ኣይክኽውለሎምን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

1 ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፣ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፣ እታ ኸተማ ኻብ እትተሐዝ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት፣ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ።
2 ብራእይ ኣምላኽ ናብታ ሃገር እስራኤል ወሰደኒ፣ ኣብ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ። ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑጽ ከተማ ነበረ።
3 ናብኣ ኸኣ ወሰደኒ፣ እንሆ ድማ፣ ከም ኣስራዚ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፣ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ገመድን ዚእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ኣብታ ደገውን ደው ኢሉ ነበረ።
4 እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ምእንቲ ኸርእየካ፣ ናብዚ ተመሪሕካ ኢኻ እሞ፣ ነቲ ኣነ ዘርእየካ፣ ናብዚ በዒንትኻ ጠምቶ፣ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፣ ብልብኻ ኸኣ ኣቕልበሉ። እቲ ዝርኤካዮ ዅሉውን ንቤት እስራኤል ንገሮም፣ በለኒ።
5 እንሆ ኸኣ፣ ነታ ቤት ብወጻኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ምንዋሓ ሹድሽተ እመት እያ። እተን እመት ድማ ኤእመትን ስድርን እየን። ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፣ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነ፣ ቍመቱውን ሓንቲ ሻብምቆ።
6 ድሕርዚ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መጸ፣ ብደረጃታታ ኸኣ ደየበ። ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፣ ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት፣ እታ ኻልኣይቲውን ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ።
7 ነፍሲ ወከፍ እቃቤት ከኣ ምንዋሓ ሓንቲ ሻምብቆ፣ ወርዳ ድማ ሓንቲ ሻምብቆ እያ። ምርሕሓቕ እተን እቃቤታት ከኣ ሐሓሙሽተ እመት እዩ። እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት።
8 ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፣ ሓንቲ ሻምብቆውን ኰነ።
9 ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፣ ሾሞንተ እመት ከኣ ዀነ፣ ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ድማ ከክልተ እመት ኰነ። ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ እዩ።
10 እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዜብል ደገ እቃቤታት ሰለስተ በዚ ሰለሰተ ድማ በቲ እየን። ሰለስቲኤን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን፣ እተን ኣዓኑድ ከኣ በዝን በትን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን።
11 ወርዲ እታ ደገ ኣመቶ፣ ዓሰረተ እመት ከኣ ዀነ። ምንዋሕ እታ ደገ ድማ ዓሰርተው ሰለስተ እመት ኰነ።
12 ኣብ ቅድሚ እተን እቃቤታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዚ ሓንቲ እመትውን በቲ እዩ። እተን እቃቤታት ከኣ በዚ ወገን እዝን በቲ ወገን እትን ሸሽዱሽተ እመት እዩ።
13 ነቲ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ ቤት ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልአይቲ አመተ፣ ወርዱ ኸኣ፣ ካብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኰነ።
14 ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ዓንዲ ኣጸድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ።
15 ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ ኽሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት እዩ።
16 ኣብተን እቃቤታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕንኑድን ብዅሉ ዙርያኤን ዓይነ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን። ከምኡውን ኣብተን ገበላታት ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያኤን መሳዅቲ ነበረን። ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕኑድ ከኣ ስየታት ነበረ።
17 ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ወሰደኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብኡ ክፍልታት ኣባይቲ ነበረ፣ ዙርያ እቲ ኣጸድውን ብእምኒ ተነጺፉ ነበረ። ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ።
18 እቲ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ ኣብ ጥቓ ደጌታት እዩ፣ ልክዑ ኸኣ ከም ምንዋሕ እቲ ደጌታት እዩ። እዚ እቲ ታሕታይ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ እዩ።
19 ካብ ቅድሚ እታ ታሕተይቲ ደገ ሒዙ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወጻኢ ነቲ ወርዳ አመቶ፣ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከኣ መሚእቲ እመት እዩ።
20 ነቲ ንሰሜን ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን አመቶ።
21 እቃቤታት በዚ ሰለስተ፣ ሰለስተ ኸኣ በቲ ነበረ። ኣዕኑድ ሰቕሰቑን ገበላታቱን፣ ከምቲ ስፍሪ እታ ቐዳመይቲ ደገ፣ ንዋሑ ሓምሳ እመት፣ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
22 መሳዅታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ እዩ። መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፣ ገበላታት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
23 ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ድማ በንጻር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዚርእያ ደጌታት እያ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ አመተ፣ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።
24 ድሕርዚ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሐኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ናብ ደቡብ እተርኢ ደገ እያ። ነዕኑዳን ገበላታትን ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ አመተን።
25 ከምተን መሳዅቲ ኸኣ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታትን መሳዅቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፣ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
26 መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፣ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዱ ኸኣ ስየታት፣ ሓደ በዚ፣ ሓደ በቲ ነበረ።
27 እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ደገ አመተ፣ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።
28 በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣእትወኒ። ነታ ደገ ደቡብ ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ አመታ።
29 እቃቤታታን ኣዕኑዳን ገበላታታን ከኣ ክንዲ ኣቲ መስፈሪ እዩ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዅቲ ኣለዋ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፣ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
30 ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፣ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ኣሎ።
31 ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ሰቕሰቑ ኸኣ ስየታት ኣሎ፣ መደያይቦኡ ሾሞንተ ደረጃ እዩ።
32 ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ኣጸድ ወሰደኒ እሞ ነታ ደገ ክንዲ እቲ መስፈሪ አመታ።
33 እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ክንዲ እቲ መስፈሪ እዩ፣ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፣ ወርዳ ኸኣ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እያ።
34 ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ድማ ስየታት በዝን በትን ኣሎ። መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ እዩ።
35 ናብ ሰሜናዊት ደገ ወሰደኒ፣ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኸኣ አመቶ፣
36 እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ከኣ ከምኡ፣ መሳዅቲውን ብዙርያኣ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፣ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
37 ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ፣ ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ኸኣ በዝን በትን ስየታት ኣሎ፣ መደያይቦኣውን ሾሞንተ ደረጃ እዩ።
38 ኣብ ጥቓ እተን ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ደጌታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ። ኣብኣውን መስዋእቲ ምሕራር ይሐጽቡ ነበሩ።
39 ኣብታ ገበላ ደገ ኸኣ፣ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ዚሐርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዚ፣ ክልተ ሰደቓ ድማ በቲ ኣሎ።
40 ኣብ ጥቓ እቲ ብወጻኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዜደይብ መደያይቦ ኸኣ ክልተ ሰደቓ ኣሎ፣ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ክልተ ሰደቓ ኣሎ።
41 እምብኣርስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓ በዚ፣ ኣርባዕተ ሰደቓ ኸኣ በቲ ኣሎ፣ እዚ መስዋእቲ ዚሐርዱሉ ሸሞንተ ሰደቓ እዩ።
42 ንመስዋእቲ ምሕራር ዚኸውን ካብ ውቑር እምኒ እተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓ ኣሎ። ምንዋሑ እመትን ስድርን፣ ወርዱ እመትን ስድርን፣ ምብራኹ ሓደ እመት እዩ። ኣብኡውን ነቲ ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእትን ዚሐርዱሉ መሳርያ ዚንበሮ እዩ።
43 ሰስድሪ ዝምንዋሑ ኵላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ኣሎ። እዚ ሰደቓታት እዚ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዚንበሮ እዩ።
44 ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣብ ወጻኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸኣ ንመዘምራን እተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ኣሎ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ኣላ፣ ገጻ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ።
45 ንሱውን በለኒ፣ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ነቶም ነታ ቤት ኬገልግሉ እተመደቡ ኻህናት እያ።
46 እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኼገልግሉ ዚነቕሑ ኻህናት እያ። ንሳቶም ኬገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻብ ደቂ ሌውስ ደቂ ጻዶቅ እዮም።
47 ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣጸድ አመቶ፣ ምንዋሑ ሚእቲ እመት፣ ወርዱውን ሚእቲ እመት እዩ። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዘሎ።
48 ናብ ገበላ እታ ቤት ከኣ ወሰደኒ፣ ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ እታ ገበላ ድማ አመቶ፣ ሓሙሽተ እመት በዚ፣ ሓሙሽተ እመት በቲ እዩ። ወርዲ እታ ደገ ኸኣ ሰለስተ በዚ፣ ሰለስተ እመት በቲ እዩ።
49 ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፣ ወርዳ ኸኣ ዓሰርተው ሓደ እመት እዩ፣ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ከኣ ሓደ በዚ፣ ሓደውን በቲ ኣዕኑድ ኣሎ።

 

1 ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ። ነቲ ዓንዲ ሰቕሰቕውን ኣመቶ፣ እቲ ወርዱ ኸም ወርዲ እታ ድንኳን፣ ሹድሽተ እመት በዚ፣ ሹድሽተ እመት ከኣ በቲ ዀነ፣
2 ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓሰርተ እመት እዩ፣ ገንዚ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዚ፣ ሓሙሽተ እመት ከኣ በቲ እዩ። ምንዋሓ ኣርባዓ እመት፣ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመተ።
3 ድሕርዚ ናብ ውሽጢ ኣተወ እሞ ንሰቕሰቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፣ ነታ ኣፍ ደገ ኸኣ ሹድሽተ እመት ኣመቶ።
4 ነቲ ቕድሚ መቕደስ ምነዋሑ ዕስራ እመት፣ ወርዱ ኸኣ ዕስራ እመት ኣመት። እዚኣ እታ ቅድስቲ ቅዱሳን እያ፣ ከኣ በለኒ።
5 ድሕርዚ መንደቕ እታ ቤት ሹድሽተ እመት ኣመተ። ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዅሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ወርደን ኣኣርባዕተ እመት ኣመተ።
6 እተን ብጎቦታታ ዝነበራ ኽፍሊ ኣባይቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ሰለስተ ደርቢ ዘለወን ሰላሳ እየን። ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተጸግዓስ፣ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ኪጸግዓ፣ ኣብኡ ተጋጢመን እየን።
7 ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደርቢ ናብ ደርቢ ዚዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፣ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወጸሉ መጠን እናገፍሔ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ ምግፋሕ እታ ቤት ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ። ከምኡውን ካብ ታሕትስ ብላዕሊ ብማእከላይ ኣቢሉ መደየቢ ኣለዋ።
8 ኣነ ኸኣ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ርኤኹ። እቲ መሰረት እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ በታ ሻምብቆ ሹድሽተ እመት ልክዕ እዩ።
9 እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሀንጻሉ መንደቕ፣ ወርዱ ብወጻኢ ሓሙሽተ እመት እዩ። ኣብ መንጎ እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ንኣምፉ ዚነብር ቦታታት ኣሎ።
10 ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ብዙርያ እታ ቤት ዔዕስራ እመት እዩ።
11 ደጌታት እተን ቤት ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ናብቲ ንኣምፉ ዚነር ቦታታት፣ሓንቲ ደገ ንሰሜን፣ ሓንቲ ኸኣ ንደቡብ ኣቢለን እየን። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ኸኣ ብዙርያኡ ወርዱ ሐሓሙሽተ እመት እዩ።
12 እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ሕዳግ እተሀንጸ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት እዩ። ናይቲ እተሀንጸ ገንዚ መንደቕ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት እዩ፣ ምንዋሑ ኸኣ ተስዓ እመት እዩ።
13 ነታ ቤት ድማ ኣመታ፣ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ኰነት። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን እቲ ህኑጽን መንደቑን ከኣ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኰነ።
14 ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ፣ ወርዱ ሚእቲ እመት እዩ።
15 ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ንኣምፉ ዝዀነ ቦታ ኽሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንጻን፣ ነቲ በዝን በትን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶ፣ ምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኰነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላታት እቲ ኣጸድን፣
16 መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተገብረ መሳዅትን ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደርብታት ዘሎ መተሓላለፍን ኣንጻር እቲ ልዳት፣ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዅቲ ብዙርያኡ ብሉሕ ተኸድኑ እዩ፣ እቲ መሳዅቲ ድማ ክዱን እዩ።
17 ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፣ ብወጻእን ብዙርያ ዅሉ እቲ መንደቕን፣ ብኣታዊኡን ብወጻኢኡን ብልክዕ እዩ።
18 ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኪሩቤልን ኪሩቤልን ከኣ ሓንቲ ስየ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከኣ ከክልተ ገጽ ኣለዎ።
19 ነታ ስየን ናብዚ ወገና ገጽ ሰብ፣ ነታ ስየስ ናብቲ ወገና ኸኣ ገጽ ኣንበሳ ኣለዋ። ንብዘላ እታ ቤት ብዅሉ ዙርያኣ ኸምኡ ተገይርዋ እዩ።
20 ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ ኪሩቤል ስየን ተቕሪጽዎ ኣሎ። እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ እዩ።
21 ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ እዩ። ደገ እታ ቅድስቲ ቦታ ድማ ትርኢቱ ኸምኡ እዩ።
22 እቲ መሰውኢ ድማ ካብ ሉሕ እተገብረ እዩ። ቍመቱ ሰለስተ እመት፣ ምንዋሑ ኽልተ እመት እዩ። መኣዝን ከኣ ኣለዎ፣ ግድጊዳኡ ኸኣ ሉሕ እዩ። ንሱውን፣ እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ መኣዲ እያ፣ በለኒ።
23 ንታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን ክልተ ማዕጾ ኣለዋኤን።
24 ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ድማ ክልተ መቃን፣ ኣብ ከክልተ ዚዕጸፉ መቃን፣ ነታ ሓንቲ ማዕጾ ኽልተ መቃን፣ ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ክልተ መቃን ኣለዋኤን።
25 ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፣ ኣብተን ደጌታት መቕደስ ከኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽወን ኣሎ። ኣብ ወጻኢ እቲ ገጽ ገበላ ኸኣ ካብ ረጕድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ።
26 ኣብ ጎቦታት እታ ገበላ ኸኣ በዝን በትን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዅትን ስየን ኣለዋ። እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንጻን እቲ ናሕሲ ዕጨይትን ከኣ ከምኡ እዩ።

1 ፤ ያዕቆብም በግብፅ እህል እንዳለ ሰማ፥ ያዕቆብም ልጆቹን። ለምን እርስ በርሳችሁ ትተያያላችሁ? አላቸው።
2 ፤ እንዲህም አለ። እነሆ ስንዴ በግብፅ እንዲገኝ ሰምቼአለሁ፤ ወደዚያ ውረዱ፥ እንድንድንና እንዳንሞትም ከዚያ ሸምቱልን።
3 ፤ የዮሴፍም አሥሩ ወንድሞቹ ስንዴን ከግብፅ ይሸምቱ ዘንድ ወረዱ፤
4 ፤ የዮሴፍን ወንድም ብንያምን ግን ያዕቆብ ከወንድሞቹ ጋር አልሰደደውም። ምናልባት ክፉ እንዳያገኘው ብሎአልና።
5 ፤ የእስራኤልም ልጆች ለእህል ሸመታ ከመጡቱ ጋር ገቡ፤ በከነዓን አገር ራብ ነበረና።
6 ፤ ዮሴፍም በምድር ላይ ገዥ ነበረ፥ እርሱም ለምድር ሕዝብ ሁሉ ይሸጥ ነበር፤ የዮሴፍም ወንድሞች በመጡ ጊዜ በምድር ላይ በግምባራቸው ሰገዱለት።
7 ፤ ዮሴፍም ወንድሞቹን አይቶ አወቃቸው፤ ተለወጠባቸውም፥ ክፉ ቃልንም ተናገራቸው። እናንተ ከወዴት መጣችሁ? አላቸው። እነርሱም። ከከነዓን ምድር እህል ልንሸምት የመጣን ነን አሉት።
8 ፤ ዮሴፍም ወንድሞቹን አወቃቸው፥ እነርሱ ግን አላወቁትም፤
9 ፤ ዮሴፍም ስለ እነርሱ አይቶት የነበረውን ሕልም አሰበ። እንዲህም አላቸው። እናንተ ሰላዮች ናችሁ፤ የምድሩን ዕራቁትነት ልታዩ መጥታችኋል።
10 ፤ እነርሱም አሉት። ጌታችን ሆይ አይደለም፤ ባሪያዎችህ ስንዴን ሊገዙ መጥተዋል፤
11 ፤ እኛ ሁላችን የአንድ ሰው ልጆች ነን፤ እኛ እውነተኞች ነን፥ ባሪያዎችህስ ሰላዩች አይደሉም።
12 ፤ እርሱም አላቸው። አይደለም፤ ነገር ግን የአገሩን ዕራቁትነት ልታዩ መጥታችኋል።
13 ፤ እነርሱም አሉ። ባሪያዎችህ አሥራ ሁለት ወንድማማች በከነዓን ምድር የአንድ ሰው ልጆች ነን፤ ታናሹም እነሆ ዛሬ ከአባታችን ጋር ነው፥ አንዱም ጠፍቶአል።
14 ፤ ዮሴፍም አላቸው። እናንተ ሰላዮች ናችሁ ብዬ የተናገርኋችሁ ይህ ነው፤
15 ፤ በዚህ ትፈተናላችሁ፤ ታናሽ ወንድማችሁ ካልመጣ በቀር የፈርዖንን ሕይወት ከዚህ አትወጡም።
16 ፤ እውነትን የምትናገሩ ከሆነ ነገራችሁ ይፈተን ዘንድ ከእናንተ አንዱን ስደዱ፥ ወንድማችሁንም ይዞ ይምጣ እናንተም ታሥራችሁ ተቀመጡ፤ ይህ ካልሆነ የፈርዖንን ሕይወት ሰላዮች ናችሁ።
17 ፤ ሦስት ቀን ያህል በግዞት ቤት ጨመራቸው።
18 ፤ በሦስተኛውም ቀን ዮሴፍ እንዲህ አላቸው። ትድኑ ዘንድ ይህን አድርጉ፤ እኔ እግዚአብሔርን እፈራለሁና።
19 ፤ እናንተ የታመናችሁ ከሆናችሁ ከእናንተ አንዱ ወንድማችሁ በግዞታችሁ ቤት ይታሰር እናንተ ግን ሂዱ፥ እህሉንም ለቤታችሁ ራብ ውሰዱ፤
20 ፤ ታናሹንም ወንድማችሁን ወደ እኔ ይዛችሁ ኑ፤ ነገራችሁም የታመነ ይሆናልና አትሞቱም። እንዲህም አደረጉ።
21 ፤ እነርሱም እርስ በርሳቸው እንዲህ ተባባሉ። በእውነት ወንድማችንን በድለናል፥ እኛን በማማጠን ነፍሱ ስትጨነቅ አይተን አልሰማነውምና፤ ስለዚህ ይህ መከራ መጣብን።
22 ፤ ሮቤልም መልሶ እንዲህ አላቸው። ብላቴናውን አትበድሉ ብያችሁ አልነበረምን? እኔም አልሰማችሁኝም፤ ስለዚህ እነሆ አሁን ደሙ ይፈላለገናል።
23 ፤ እነርሱም ዮሴፍ ነገራቸውን እንደሚሰማባቸው አላወቁም፥ በመካከላቸው አስተርጓሚ ነበረና።
24 ፤ ከእነርሱም ዘወር ብሎ አለቀሰ፤ ደግሞም ወደ እነርሱ ተመልሶ ተናገራቸው፥ ስምዖንንም ከእነርሱ ለይቶ ወሰዶ በፊታቸው አሰረው።
25 ፤ ዮሴፍም ዓይበታቸውን እህል ይሞሉት ዘንድ አዘዘ፤ የእየራሳቸውንም ብር በእየዓይበታቸው ይመልሱት ዘንድ ደግሞም የመንገድ ስንቅ ይሰጡአቸው ዘንድ አዘዘ። እንዲሁም ተደረገላቸው።
26 ፤ እነርሱም እህሉን በአህዮቻቸው ላይ ጫኑ፥ ከዚያም ተነሥተው ሄዱ።
27 ፤ ከእነርሱም አንዱ ባደሩበት ስፍራ ለአህያው ገፈራን ይሰጥ ዘንድ ዓይበቱን ሲፈታ ብሩን አየ፥ እነሆም በዓይበቱ አፍ ላይ ነበረች።
28 ፤ ለወንድሞቹም። ብሬ ተመለሰችልኝ፥ እርስዋም በዓይበቴ አፍ እነኋት አላቸው። ልባቸውም ደነገጠ፥ እየተንቀጠቀጡም እርስ በርሳቸው ተባባሉ። እግዚአብሔር ያደረገብን ይህ ምንድር ነው?
29 ፤ ወደ አባታቸውም ወደ ያዕቆብ ወደ ከነዓን ምድር መጡ፥ የደረሰባቸውንም ነገር ሁሉ እንዲህ ብለው አወሩ።
30 ፤ የአገሩ ጌታ የሆነው ሰው በክፉ ንግግር ተናገረን፥ የምድሪቱም ሰላዮች አስመሰለን።
31 ፤ እኛም እንዲህ አልነው። እውነተኞች ሰዎች ነን እንጂ ሰላዮች አይደለንም፤
32 ፤ እኛ የአባታችን ልጆች አሥራ ሁለት ወንድማማች ነን፤ አንዱ ጠፍቶአል፥ ታናሹም በከነዓን ምድር ዛሬ ከአባታችን ጋር አለ።
33 ፤ የአገሩም ጌታ ያ ሰው እንዲህ አለን። የታመናችሁ ሰዎች ከሆናችሁ በዚህ አውቃለሁ፤ አንደኛውን ወንድማችሁን ከእኔ ጋር ተዉት፥ ለቤታችሁም ራብ እህልን ወስዳችሁ ሂዱ፤
34 ፤ ታናሹንም ወንድማችሁን አምጡልኝ፥ እውነተኞች እንጂ ሰላዮች አለመሆናችሁንም በዚህ አውቀዋለሁ፤ ወንድማችሁንም እሰጣችኋለሁ፥ እናንተም በምድሩ ትነግዳላችሁ።
35 ፤ እንዲህም ሆነ፤ ዓይበታቸውን በፈቱ ጊዜ እነሆ ከእነርሱ እያንዳንዳቸው ብራቸውን በእየዓይበታቸው ተቋጥሮ አገኙት፤ እነርሱም አባታቸውም የብራቸውን ቍጥራት አይተው ፈሩ።
36 ፤ አባታቸው ያዕቆብም እንዲህ አላቸው። ልጅ አልባ አስቀራችሁኝ፤ ዮሴፍ የለም፥ ስምዖንም የለም፥ ብንያምንም ትወስዱብኛላችሁ፤ ይህ ሁሉ በእኔ ላይ ደረሰ።
37 ፤ ሮቤልም አባቱን አለው። ወደ አንተ መልሼ ያላመጣሁት እንደ ሆነ ሁለቱን ልጆቼን ግደል፤ እርሱን በእጄ ስጠኝ፥ እኔም ወደ አንተ እመልሰዋለሁ።
38 ፤ እርሱም አለ። ልጄ ከእናንተ ጋር አይወርድም፤ ወንድሙ ሞቶ እርሱ ብቻ ቀርቶአልና፤ በምትሄዱበት መንገድ ምናልባት ክፉ ነገር ቢያገኘው ሽምግልናዬን በኅዘን ወደ መቃብር ታወርዱታላችሁ።

 

1 ድሕርዚ ንሱ ናብቲ ሰሜን ዜብል መገዲ ናብ ወጻኢ ኣጻድ ኣውጽኣኒ። ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዚርኢ ህንጻን ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከኣ ኣእተወኒ።
2 እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፣ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ወርዳ ኸኣ ሓምሳ እመት እዩ።
3 ኣብ ኣንጻር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ኣጻድ፣ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸኣ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ኣሎ።
4 ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ኣሎ። ናብ ውሽጢ ኸኣ ሓደ ዝእመቱ መገዲ ኣሎ። ደጌታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን።
5 እቲ መተሓላለፊታት ቦታ ስለ ዝወሰደለን፣ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ናይቲ ህንጻ እየን።
6 ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፣ ኣዕኑድሲ ኸምተን ናይ ኣጸድ ኣዕኑድ የብለንን። ስለዚ ካብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ይጸባ እየን።
7-8 እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ምንዋሔን ሓምሳ እመት እዩ። እቲ ኣብ ኣንጻር ቤር መቕደስ ዘሎውን ሚእቲ እመት እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ ናብቲ ወጻኢ ኣጻድ ዜብል፣ ኣብ ወጻኢ፣ ኣብ ኣንጻር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ ምንዋሑ ሓምሳ እመት እዩ።
9 ነቶም ካብ ወጻኢ ኣጸድ ዚኣትዉ፣ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኤን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ።
10 ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ ገንዚ እቲ መንደቕ ኣጻድ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑጽን ክፍልታት ኣባይቲ ኣለዋ።
11 ኣብ ቅድሚኤን ከኣ፣ ከምቲ ናብ ሰሜን ዜብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ኣሎ፣ ምንዋሔንን ወርደንን፣ መውጽኢኤንን ስርዓተንን ደጊኤንን ማዕረ ማዕረ እዩ።
12 ከምተን ናብ ደቡብ ዜብላ ደጌታት ክፍልታት ኣባይቲ፣ ኣብ ርእሲ እታ መገዲ ደገ ኣሎ። ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዚኣትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዘላ እያ።
13 በለኒውን፣ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን። ኣብኤን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፣ ኣብኡ ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ኬንብሩ እዮም።
14 እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፣ እተን ዘገልግሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፣ ኣብኡ ከየንብርወን፣ ካብታ መቕደስ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ፣ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ ናብቲ ንህዝቢ እተመደበ ቦታ ይውጽኡ።
15 ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድኤ፣ በታ ናብ መገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውጽኣኒ፣ በዝን በትን ብዙርያኡ ኣመታ።
16 ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መኣመቲት ሻብምቆ ኣመቶ፣ በዛ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።
17 ነቲ ወገን ሰሜን ከኣ ኣመቶ፣ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።
18 ነቲ ወገን ደቡብ ከኣ ኣመቶ፣ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።
19 ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፣ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ኣመቶ።
20 ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፣ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ ፣ ወርዱ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ዀነ። እዚ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዚፈሊ እዩ።
ህዝቅኤል 43
1 ድሕርዚ ናብቲ ደገ፣ ናብቲ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ኣውጽኣኒ።
2 እንሆ ኸኣ፣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መጸ። ድምጺ ድማ ከም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ። ምድሪውን ብኽብሩ በርሄት።
3 እቲ ኣነ ዝርኤኽዎ ራእይ ድማ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መጻእኩ ዝርኤክዎ ራእይ እዩ። እዚ ራእያት እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ራእይ እዩ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
4 ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ ናብታ ቤት ኣተወ።
5 መንፈስ ሐፍ ኣበለኒ፣ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ከኣ ኣእተወኒ፣ እንሆው፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ።
6 ኣነ ኸኣ ካብታ ቤት ሓደ ኺዛረበኒ ኸሎ ሰማዕኩ፣ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ።
7 በለኒውን፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እታ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ንሓዋሩ ዝነብረላ ቦታ ዝፋነይን እግረይ ዚረግጻ ቦታን እዚኣ እያ።ቤት እስራኤል፣ ንሳቶምን ነገስታቶምን ነቲ ቅዱስ ስመይ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን ኣብቲ በረኽቲ ቦታኦም ድሕርዚ ኣይኬርስክዎን እዮም።
8 መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን መንጎኦምን ክሳዕ ዚኸውን፣ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፣ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ። በዚ ዝገበርዎ ጽያፍ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ፣ ስለዚ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእክዎም።
9 ሕጂ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታትምን ካባይ ኬርሕቑ እዮም፣ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእከሎም ክነብር እየ።
10 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ብኣበሳኦም ኪሐፍሩስ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፣ ኣተሃናንጻኣ ኸኣ ኣለክዓዮም።
11 በቲ ዝገበርዎ ዅሉ እንተ ሐፈሩስ፣ ምስላን ስርዓታን ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኺሕልውዎን ኪገብርዎን፣ ምስሊ እታ ቤትን ኣሰራርዕኣን ነቲ መውጺኢኣን መእተዊኣን ኵሉ ምስላን ኵሉ ስርዓታን፣ ኵሉ ምስላን ኵሉ ሕጋጋታን ኣፍልጦም፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ ጽሐፎ።
12 ሕጊ እታ ቤት ድማ እዚ እዩ፣ እቲ ኣብ ዝባን እቲ ኸረን ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ ኣዝዩ ቅዱስ እዩ፣ እንሆ፣ ሕጊ እታ ቤት እዚ እዩ።
13 ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመትሲ እዚ እዩ፦ እታ እመት ከኣ እመትን ስድርን እያ፦ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ብዘሎ ዙርያ ኸንፈራውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ። እዚ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ።
14 ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕታይ ሕዳግ ክልተ እመት፣ ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ካብቲ ታሕታይ ሕዳግ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ ኣርባዕተ እመት፣ ወርዱን ሓደ እመት እዩ።
15 እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፣ ካብቲ መእጐድ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ።
16 እቲ ናይ መሰውኢ መእጐድ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተው ክልተ እመት፣ ወርዱ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት እዩ። ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ ማዕረ እዩ።
17 እቲ ሕዳግ ከኣ በርባዕተ ወገኑ ምንዋሑ ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት፣ ወርዱውን ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ። እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸንፈር ድማ ፈረቓ እመት፣ እግሩ ኸኣ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ። ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ።
18 በለኒ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ መስዋእቲ ምሕራር ኣብኡ ምእንቲ ኬቕርቡ፣ ደም ከኣ ኣብኡ ኺነጽጉስ፣ በቲ ዚስርሓሉ መዓልቲ፣ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዚ እዩ፤
19 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ነቶም ኬገልግሉኒ ኢሎም ዚቐርቡኒ፣ ካብ ዘርኢ ጻዶቅ ዝዀኑ ሌዋውያን ካህናት ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ።
20 ንስኻ ድማ ካብቲ ደሙ ኽትወስድ፣ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን ኣብቲ ኣርባዕተ መዛን ሕዳጋትን ኣብቲ ኸንፈሩን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ ኸተጽርዮን ከተትዐርቖን ኢኻ።
21 ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፣ ኣብ ወጻኢ መቕደስ፣ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኪነድድ እዩ።
22 ብኻልኣይ መዓልቲ ኸኣ ጕድለት ዜብሉ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከተቕርብ ኢኻ። ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘጽረይዎ፣ ነቲ መሰውኢ ኼጽርይዎ እዮም።
23 ምጽራዩ ምስ ፈጸምካ፣ጕድለት ዜብሉ ዝራብዕ፣ ካብ ኣባጊዕውን ጕድለት ዜብሉ ድዑል ከተቕብር ኢኻ።
24 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተቕርቦ ኢኻ፣ እቶም ካህናት ድማ ጨው ኪንስንሱሎም፣ መስዋእቲ ምሕራር ከኣ ንእግዚኣብሄር ኬቕርቡሉ እዮም።
25 ሾብዓተ መዓልቲ ዕለት ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ድቤላ ኸተቕርብ ኢኻ። ጕድለት ዜብሎም ዝራብዕን ካብ ኣባጊዕ ድማ ድዑልን ኪስውኡ እዮም።
26 ሾብዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኼተዐርቕዎን ኬንጽህዎን ኪጽምብልዎን እዮም።
27 እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ተፈጸማ፣ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ብድሕሪኣን እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንመስዋእቲ ምሕራርኩምን ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ኬቕርቡ እዮም። ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

1 ድሕርዚ ናብ መገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ መጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ ኸኣ እያ።
2 እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፣ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፣ ኣይትከፈት፣ ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፣ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር።
3 እቲ መስፍንሲ፣ መስፍን ስለ ዝዀነ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጌራ ኪበልዕ፣ ኣብኡ ኪቕመጥ እዩ። ንሱ ብመገዲ ገበላ እታ ደገ ኺኣቱ፣ ብእእ ኣቢሉውን ኪወጽእ እዩ።
4 ድሕርዚ ድማ ብመገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፣ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምጽኣኒ። ጠመትኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
5 እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ኵሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄር ኵሉ ሕጋጋታን ዝነግረካ ዘሎኹ፣ ልብኻ ኣውደቐሉ፣ በዒንትኻ ተመልከቶ፣ በእዛንካ ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን ንዅሉ መውጽኢ እታ ቤት መቕደስን ኣጸቢቕካ ኣስተብህለሉ።
6 ነዞም ዓለውቲ ቤት እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በሎም፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ርኽሰትኩም ዘበለ ዅሉ ይእከልኩም።
7 እንጌራይን ስብሕን ደምን ከተቕርቡ ኸሎኽኹ፣ ንቤተይ ኬርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገዝረ፣ ስጋኦምውን ዘየተግዝረ ጓኖት ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዋም ኢኹም እሞ፣ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጽያፍኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።
8 ኣብታ መቕደሰይ ንእኦም ኣብ ክንዳኹም ንኣገልግሎተይ መዘዝኩምዎም እምበር፣ ነቲ ቅዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።
9 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ካብቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፣ ልቡ ዘይተገዝረ፣ ስጋኡውን ዘይተገዝረ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ።
10 እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሐቑ፣ ንጣኦታቶም ኪስዕቡስ ካባይ ዝረሐቑ ሌዋውያን፣ ግና ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም።
11 ኣብ ደጌታት እታ ቤት ከኣ ሓለውቲ ኪዀኑ፣ ኣብታ ቤት ኬገልግሉስ፣ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ኪሐርዱ፣ ምእንቲ ኼገልግልዎም ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኪቘሙ እዮም።
12 ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ኣገልጊሎምዎም፣ ንቤት እስራኤል ከኣ ናብ ኣበሳ ኣዐንቂፎምዎም እዮም እሞ፣ ስለዚ ንሳቶም ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13 ንሳቶም ድማ ነውሮምን ነቲ ዝገበርዎ ጽያፎምን ድኣ ኺጾሩ እዮም እምበር፣ ብመዓርግ ክህነት ኬገልግሉኒ፣ ኣብቲ እተቐደሰ ነገረይ ኣብቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪቐርቡስ ናባይ ኣይኪቐርቡን እዮም።
14 ንዅሉ ዕዮኣን ነቲ ኣብኣ ዚግበር ዘበለ ኵሉን ሓለውቲ እታ ቤት ኪዀኑ ኽምዝዞም እየ።
15 እቶም፣ ደቂ እስራኤል ካባይ ኪርሕቁ ኸለዉ፣ ንምሕላው መቕደሰይ እተጸምዱ ኻብ ወገን ሌዋውያን ዝዀኑ ኻህናት ደቂ ጻዶቅ፣ ኬገልግሉኒ ኢሎም ኪቐርቡኒ፣ ስብሕን ደምን ኪስውኡለይ ኣብ ቅድመይ ዚቘሙ እዚኣቶም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16 ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ኪኣትዉ፣ ኬገልግሉንስ ናብ መኣደይ ኪቐርቡ፣ ንኣገልግሎተይውን ኪምዘዙ እዮም።
17 ብደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኪኣትዉ ኸለዉ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ኣልባሳት ኪለብሱ እዮም። ኣብ ደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድን ኣብ ውሽጥን ኬገልግሉ ኸለዉ ገለ ናይ ጸጕሪ ኣይኪኽደኑን እዮም።
18 ኣብ ኣራእሶም ናይ ልህጺ እንጣጢዕ ሻሽ ኪጥምጥሙ፣ ኣብ ሕቝኦምውን ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኺዕጠቑ፣ ዜርህጽ ነገር ኣይኪዕጠቑን እዮም።
19 ናብ ወጻኢ ኣጸድ፣ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ህዝቢ ኺወጹ ኸለዉ፣ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ከይቅድስዎስ፣ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ኬውጽእዎ፣ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከኣ ኬንብርዎ፣ ካልእ ክዳውንቲውን ኪኽደኑ እዮም።
20 ነቲ ጸጕሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ኪቘርጽዎ እዮም እምበር፣ ርእሶም ኣይኪላጽዩን፣ ጸጕሮም ድማ ኣይኬንውሑን እዮም።
21 ካህን ዘበለ ዅሉ ናብቲ ውሽጢ ኣጸድ ኪእቱ ከሎ፣ ወይኒ ኣይኪሰትን እዩ።
22 ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝዀነት ድንግል ወይስ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኼእትዉ እዮም እምበር፣ መበለት ወይስ ፍትሕቲ ኣይኬእትዉን እዮም።
23 ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም።
24 ኣብ ምጕት ፈራዶ ዀይኖም ኪቘሙ፣ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከኣ ኪፈርዱ እዮም። ብዅሉ በዓላት ዓመተይ ንሕጋጋተይን ንስርዓተይን ኪሕልዉ፣ ሰናብተይ ኪቕድሱ እዮም።
25 ከይረኽሱስ፣ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ። በቦን ኣደን፣ ብወድን ጓልን፣ ብሓውን ብዘይተኣትወት ሓብትን ጥራይ ይርከሱ።
26 ድሕሪ ምንጻሁ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይቝጸሩሉ።
27 በታ ኣብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣብ መቕደስ ኬግልግል፣ ኣብ መቕደስ ዚኣትወላ መዓልቲ ኸኣ፣ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
28 ርስቲ ይኹኖም፣ ኣነ እየ ርስቶም። ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሀብዎም፣ ግዲኦምሲ ኣነ እየ።
29 ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ይብልዕዎ። እስራኤል ዝሐረምዎ ዘበለውን ንኣታቶም ይኹን።
30 በዅሪ ዅሉ ፍርያትኩምን፣ ኵሉ መባእኩም፣ ዝዀነ ይኹን መባእ ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኺሐድራስ፣ በዅሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሀቡ።
31 እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይስ ካብ ከብቲ ዝሐለቐን እተሰብረን ኣይብልዑ።

1 እምብኣርሲ ነታ ሃገር ርስቲ ኽትኰነኩም ብዕጻ ኽትማቐልዋ ኸሎኹም፣ ካብታ ሃገርስ እተቐደሰት ክፍሊ ንእግዚኣብሄር መባእ ከተቕርቡ ኢኹም። ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፣ ወርዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ እመት ኪኸውን፣ ኣብ ዙርያኣ ብዅሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ።
2 ካብዚ ድማ ኣርባዕቲኡ መኣዝና ማዕረ ማዕረ ዝዀነ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝምንዋሓ፣ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝወርዳ፣ ንመቕደስ ኪኸውን እዩ። ሓምሳ እመትውን ኣብ ዙርያእ ንኣምፉ ዚነብር ቦታ ኺውሰኻ እዩ።
3 ካብዚ ልኩዕሲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፣ ዓሰርተ ሽሕ እመት ዝወርዳ ኣምት። ኣብኣ እታ መቕደስ፣ ቅድስተ ቅዱሳን፣ ትኹን።
4 እዛ ቅድስቲ ግደ እታ ሃገር ነቶም ኣገልገልቲ መቕደስ ኰይኖም፣ ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉ ዚቀርቡ ኻህናት ክትከውን እያ። ነባይቶም ስፍራ፣ ንመቕደስውን ቅዱስ ቦታ ኽትከውን እያ።
5 ዕስራን ሓመሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፣ ዓሰርተ ሽሕ ዝወርዳ ነቶም ኣብታ ቤት ዜገልግሉ ሌዋውያን ዕስራ ኽፍሊ ቤት ንርስቶም ክትከውን እያ።
6 ንርስቲ እታ ኸተማ ከኣ ኣብ ኣንጻር እታ ዝወፌኹምዋ መባእ እታ ቅድስቲ ኽፍሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዝወርዳ፣ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ መደቡ። እዚኣ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ትኹን።
7 ነቲ መስፍን ድማ በዝን በትን እታ ቅዱስ መባእ ኰይና እተወፈየት ምድርን ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ መንጽር እታ እተቐደሰት መባእን ኣብ መንጽር ርስቲ እታ ኸተማን፣ ምዕራባ ናብ ወገን ምዕራብ፣ ምብራቕ ድማ ናብ ወገን ምብራቕ ኪኸውን እዩ። ምንዋሓ ኸኣ ካብ ወሰን ምዕራብ ሒዙስ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ኪኸውን እዩ።
8 መሳፍንተይ ከኣ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ኪህብዎም እዮም እምበር፣ ድሕርዚ ንህዝበይ ኣይኪገፍዕዎምን፣ እዚኣስ ምድሩ፣ ኣብ ኣስራኤል ርስቱ ኽትከውን እያ።
9 እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣቱም መሳፍንቲ እስራኤል፣ ደጊም ይእከልኩም፣ ዓመጻን በዝባዝን ሕደጉ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ግበሩ፣ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10 ሓቀኛ ሚዛን፣ ሓቀኛ ኤፋ፣ ሓቀኛ ባት ይሀሉኹም።
11 ኤፋን ባትን ልክዑ ሓድ ይኹን፣ እቲ ባት ዓስራይ ኣፍ ሆመር፣ እቲ መስፈሪኦም ብሆመር እተለኽዔ ይኹን።
12 ሓደ ሲቃል ዕስራ ጌራ ዚሕዝ ይኹን። እቲ ምና ኸኣ ዕስራ ሲቃል፣ ዕስራን ሓሙሽተን ሲቃል፣ ዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ይኹነልኩም።
13 እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዚ እዩ፣ ካብ ሆመር ስርናይ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ፣ ካብ ሆመር ስገም ድማ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ ወፍዩ።
14 ናይ ዘይቲ ሕጊ፣ ናይቲ ባት ዘይቲ ኸኣ እዚ እዩ፣ ዓሰርተ ባት ሓደ ሆመር እዩ እሞ፣ ካብ ሓደ ኮር ዓስራይ ኣፍ ባት ይወፈ፣ እቲ ኮር ድማ ዓሰርተ ባት ዚሕዝ ሆመር እዩ።
15 ንኣታቶም ዚኸውን መበጀዊ ንምግባር፣ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ ምስጋናን ካብቲ ማይ ዘለዎ መዋፍር እስራኤል ካብ መጓሰ ኽልተ ሚእትስ ሓንቲ ብጊዕ ክትውፈ እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16 ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ነዚ መባእ እዚ ነቲ መስፍን እስራኤል ኪህብዎ ይግብኦም እዩ።
17 መዚ እቲ መስፍንሲ ብበዓላትን ብሰርቂ ወርሕን ብሰናብትን ብዅሉ በዓልት ዓመት ቤት እስራኤልን መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ኪውፊ እዩ። ንሱ ንቤት እስራኤል መበጀዊ ምእንቲ ኺገብረሎም መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ምስጋናን ኬቕርብ እዩ።
18 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንስኻ ጕድለት ዜብሉ ዝራብዕ ክትወስድ ኢኻ እሞ፣ ነታ መቕደስ ከተንጽሃ ኢኻ።
19 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኪወስድ፣ ኣብ ልዳት እታ ቤትን ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ሕዳጋይ መሰውእን ኣብ ልዳት ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድን ኪገብሮ እዩ።
20 ብሳብዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ ስለ እቲ ብጌጋ ዝኣበሰን ስለ እቲ ግሩህን ከምኡ ኽትገብር ኢኻ። ነታ ቤትውን ከምኡ ኸተበጅውዋ ኢኹም።
21 በታ መጀመርያ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትስ፣ ፋስጋ፣ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፣ ቅጫውን ኪብላዕ እዩ።
22 በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ መስፍን ብናይ ርእሱን ብናይ ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ሓደ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርብ እዩ።
23 በዘን ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ድማ ጕድለት ዜብሎም ሾብዓተ ዝራብዓትን ሾብዓተ ድዑላትን ኣብ ጸጽባሕ እዘን ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምሕራር፣ ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ ኬቕርብ እዩ።
24 ንሱ ድማ መስዋእቲ ብልዒ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፣ ንነፍሲ ወከፍ ድዑል ከኣ ሓደ ኤፋ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋውን ሓደ ሂን ዘይቲ ኬቕርብ እዩ።
25 ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ በዚ በዓል እዚ ንሾብዐተ መዓልቲ ኸምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፣ ከምቲ መስዋእቲ ምሕራር፣ ከምቲ መስዋእቲ ብልዒ፣ ከምቲ ዘይቲ ኬቕርብ እዩ።

1 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ በተን ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ኽትዕጾ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ክትክፈት፣ ብመዓልቲ ስርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ።
2 እቲ መስፍን ከኣ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወጻኢ ኺኣቱ፣ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ኪቐውም እዩ። ካህናት ከኣ መስዋእቲ ምሕራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ኬቕርቡ እዮም፣ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኺሰግድ፣ ድሕርዚውን ኪወጽእ እዩ። እታ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ኣይክትዕጾን እያ።
3 ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን፣ ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ዀይኖም፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰግዱ እዮም።
4 እቲ መስፍን ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዜቕርበሉ መስዋእቲ ምሕራርሲ ጕድለት ዜብሎም ሹድሽተ ገንሸል፣ ጕድለት ዜብሉ ሓደ ድዑልን እዩ።
5 መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ነቲ ድዑል ሓንቲ ኤፋ፣ መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ገንሸላት ድማ ከም ርካቡ ኪኸውን፣ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋውን ሓደ ሂን ዘይቲ ኺህልዎ እዩ።
6 ንመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸኣ ጕድለት ዜብሉ ዝራብዕን ጕድለት ዜብሎም ሹድሽተ ገንሸልን ሓደ ድዑልን ኬቕርብ እዩ።
7 ንሱ ኸኣ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፣ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፣ ነቶም ገንናሽልውን ከም ርካቡ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ኬቕርብ እዩ።
8 እቲ መስፍን ኪኣቱ ኸሎ፣ ብገበላ እታ ደገ ኺኣቱ፣ ብእኣ ኣቢሉውን ኪወጽእ እዩ።
9 ህዝቢ እታ ሃገር በቲ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መጹ፣ እቲ ኺሰግድ ኢሉ ብደገ ሰሜን ዝኣተወ ብደገ ደቡብ ሰሜን ኪወጽእ እዩ። በታ ኣንጻራ ደኣ ኺወጽእ እምበር፣ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይኪምለስን እዩ።
10 እቲ መስፍን ከኣ፣ እቶም ህዝቢ ኺኣትዉ ኸለዉ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ኺኣቱ፣ ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ፣ ምስኦም ኪወጽእ እዩ።
11 ብበዓላትን ብበዓላት ዓመትን እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፣ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፣ ነቶም ገናሽልውን ከም ርካቡ፣ ነንሓደ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ኬቕርብ እዩ።
12 እቲ መስፍን ከኣ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፣ መስዋእቲ ምሕራር ወይስ መስዋእቲ ምስጋና ኸም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ኬቕርብ ከሎ፣ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ይኽፈተሉ እሞ፣ ነቲ መስዋእቲ ምሕራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ኬቕርብ እዩ። ድሕርዚ ኺወጽእ፣ ምስ ወጸ ድማ፣ እታ ደገ ትተዐጾ።
13 ጕድለት ዜብሉ ናይ ዓመት ገንሸል ከም መስዋእቲ ምሕራር ኣብ ጸጽባሕ ንእግዚኣብሄር ከተቕርበሉ ኢኻ። ንግሆ ንግሆ ኽትስውኦ ኢኻ።
14 ምስናይዚ መስዋእቲ ብልዒ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ፣ መለስለሲ እቲ ሓርጭ ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ዘይቲ ንግሆ ንግሆ ኸትቕርብ ኢኻ። እዚ ንእግዚኣብሄር ዚቕረብ መስዋእቲ ብልዒ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት ንዅሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።
15 ገንሸል መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ጊዜ ምስዋእቲ ምሕራር ክትስውኡ ኢኹም።
16 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቲ መስፍን ንሓደ ካብቶም ደቁ ውህበት እንተ ሀቦ፣ ርስቱ እዩ፣ እዚ ንደቂ ይኹን፣ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ።
17 ንሓደ ካብ ገላዉኡ ካብቲ ርስቱ መቒሉስ ውህበት እንተ ሀቦ ግና፣ እዚኣ ኽሳዕ ዓመት ሓራ ናቱ ትኹን። ድሕርዚ ኸኣ ናብቲ መስፍን ትመለስ። ርስትነቱ ድማ ንደቁ ኪኸውን እዩ።
18 እቲ መስፍን ከኣ ነቶም ህዝቢ ካብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም። ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ካብ ርስቱ ኸይንቀልስ፣ ነቶም ደቁ ካብ ርስቱ ኼረስትዮም እዩ።
19 ድሕርዚ ንሱ ናብተን ናይ ሰሜን ዚርእያ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ። እንሆ ድማ፣ ኣብቲ ወሰኑ ንምዕራብ ኣቢሉ ዚርኢ ቦታ ኣሎ።
20 ንሱ ኸኣ፣ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ከየውጽእዎ እሞ እቲ ህዝቢ ኸይቅደስሲ፣ እቲ እቶም ካህናት ነቲ መስዋእቲ ዕዳን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚቕቅልሉ፣ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዚስንክትሉ ቦታ እዚ እዩ፣ በለኒ።
21 ናብ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ኣውጽኣኒ፣ ኣብ ኣርባዕቲኤን መኣዝን እታ ኣጸድ ከኣ ኣሕለፈኒ፣ እንሆውን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ኣጸድሲ ኣጸድ ኣሎ።
22 ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ኣጸድ ድማ እተቐጽራ ኣጸዳት ኣለዋ፣ ምንዋሔን ኣርብዓ እመት፣ ወርደን ከኣ ሰላሳ እዩ። እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝንሲ ልክዔን ሓደ እዩ።
23 ኣብ ዙርያኤን ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲኤን ከኣ መንደቕ ኣሎ። ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ መሰኻተቲ ተሰሪሕዎ ኣሎ።
24 ንሱ ኸኣ፣ እዚኣ እታ ዜብስሉላ ቤት እያ፣ እዚኣተን ከኣ እቶም ኣገልግልቲ እዛ ቤት ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዜብስሉለን እየን፣ በለኒ።

 

1 ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒ። ገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፣ እንሆ፣ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ትሕቲ፣ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፣ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ።
2 ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒ፣ ብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፣ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፣ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ።
3 እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፣ ዚእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፣ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፣ ክሳዕ እግረይ በጽሔ።
4 ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሔ።
5 ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፣ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፣ ኣነ ኽሳገሮ ዘይክኣለኒ ውሒዝ ኰነ።
6 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ትርኢዶ ኣሎኻ∶ በለኒ። ሽዑ ወሰድኒ፣ ናብ ወሰን እቲ ውሒዝ ድማ መለሰኒ።
7 ምስ ተመለስኩ፣ እንሆ፣ ወሰን ወሰን እቲ ውሒዝ በዝን በትን ብዙሕ ኣእዋም ኣሎ።
8 በለኒ ድማ፣ እዚ ማያት እዚ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፣ ናብ ጐልጐል ኪወርድ ናብ ባሕሪ ኸኣ ኪበጽሕ እዩ። ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ፣ እቲ ማያት ኪጥዒ እዩ።
9 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኵሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፣ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ።
10 ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብኡ ኪቘሙ፣ ካብ ዔን-ገዲ ኽሳዕ ዔን-ኤግላይም መዘርግሒ መርበብ ኪኸውን እዩ። ዓሳታት፣ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፣ በብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኣብኡ ኺህልዉ እዮም።
11 ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና ጨው ኰይኑ ኺነብር እዩ እምበር፣ ኣይኪጥዕን እዩ።
12 ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቍጽልቱ ኣይኪጽምሉን፣ ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ካብቲ መቕደስ እዩ ዚፍልፍል እሞ፣ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ፣ ፍሬታቱ ንምግቢ፣ ኣቍጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።
13 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፣ ወሰናታ እዚ እዩ፣ ዮሴፍ ክልተ ዕጫ ኺረክብ እዩ።
14 እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም። እዛ ሃገር እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።
15 ወሰናት እታ ምድሪ ኸኣ እዚ እዩ፣ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ በታ መገዲ ሃይሎን ኣቢሉ፣ ክሳዕ ጸዳድ፣
16 ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት፣ ቤሮታ፣ ሲብራይም፣ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓጻር-ሓቲኮን ድማ።
17 እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓጻር-ዔናን ወሰን ደማስቆ ኪኸውን እዩ። ጻፎን ድማ ኣብ ሰሜን ወሰን ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ሰሜን እዩ።
18 ብወገን ምብራቕ ድማ ኣብ ማእከል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስን እዩ። ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም። እዚ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ።
19 እቲ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፣ በቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። እዚ እቲ ናብ ደቡብ ዜብል ወገን ደቡብ እዩ።
20 እቲ ወገን ምዕራብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንጽር ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።
21 ነዛ ሃገር እዚኣ ኸከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ።
22 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ንስኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ፣ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዚወልዱ ጓኖት ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኺርስተዩ እዮም።
23 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ነቲ ጓና ኣብታ ዚነብረላ ነገድ፣ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

1 ስማት እቶም ነገድ እዚ እዩ፣ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ፣ ብጥቓ መገዲ ሃይሎን፣ ክሳኦ ሃማትን ክሳዕ ሓጻር-ዔናንን፣ ወሰን ደማስቆ፣ ናብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፣ ካብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ ንዳን ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
2 ኣብ ወሰን ዳን ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ኣሴር ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
3 ኣብ ወሰን ኣሴር ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
4 ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
5 ኣብ ወሰን ምናሴ ኸኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ውወገን ምዕራብ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
6 ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
7 ኣብ ወሰን ሮቤል ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
8 ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን። ወርዱ ዕስራን ሓመሽተን እመት፡ ምንዋሑ ኸኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ይኹን። እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእከሉ ትኹን።
9 እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፣ ወርዳን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን።
10 እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፣ ንምዕራብ ከኣ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፣ ንደቡብ ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ። እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእከላ ትኹን።
11 እዚኣ ነቶም፣ እቶም ደቂ እስራኤል ኪስሐቱ ኸለዉ ኸምቶም ዚስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሕቱ፣ እተቐደሱ ንኣገልግሎተይውን እተመዘዙ ኻህናት፣ ደቂ ጻዶቅ፣ ትኹን።
12 እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፣ ኣዝያ ቅድስቲ ዝዀነት መባእ ምድሪ ንኣታቶም መባእ ትዀነሎም።
13 ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፣ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን። ምንዋሓ ዅላዅላ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፣ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ።
14 እዚኣ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት እያ እሞ፣ ካብኣ ኣይሽጡ፣ ኣይለውጡ፣ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ ኣብ ካልእ ኣይትሕለፍ።
15 እታ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዘላ ኻብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና ዘይተቐደሰ ቦታን ሰብ ዚነብረላን ኸተማን ንኸባቢኣን ትኹን።
16 ልክዓ ኸኣ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፣ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፣ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፣ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።
17 እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳን፣ ብደቡብ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፣ ብምብራቕ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፣ ብምዕራብውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን።
18 እታ ትራፍ ናይቲ ምንዋሕሲ ብኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ፣ ኣብ ምዕራብ ኣቢሉ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፣ እዚኣ ኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ እያ። እቶታውን ምግቢ እቶም ዓየይቲ እታ ኸተማ ይኹን።
19 እቶም ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ዝዀኑ ኣብታ ኸተማ ዚዐዩ ኸኣ ነታ ምድሪ ይሕረስዋ።
20 እታ መባእ ኵላኵላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፣ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን። ንርስቲ እታ ኸተማ ዚኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣልዕሉ።
21 እቲ ዝተረፈ ንመስፍን ይኹን፣ በዝን በትን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፣ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፣ ኣብ ምዕራብ ከኣ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዜብል፣ ማዕረ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፣ ነቲ መስፍን ይኹን። እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከኣ ኣብ ማእከል ይኹና።
22 ካብቲ ኣብ ማእከል ናይ መስፍን ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፣ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ ነቲ መስፍን ይኹን።
23 ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ እዚ እዩ፣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን።
24 ኣብ ወሰን ብንያም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን።
25 ኣብ ወሰን ስምኦን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓፍር ኽፍሊ ንኢሳኮር ይኹን።
26 ኣብ ወስንይሳኮር ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኽይን።
27 ኣብ ወስን ዛብሎን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን።
28 ኣብ ወሰን ጋድ ድማ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ ክሳዕ እቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን።
29 እታ ንነገዳት እስራኤል ዕጭ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ። እተን ግዴታት ከኣ እዚኤን እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
38 መውጽኢታት እታ ኸተማ ድማ እዚ እዩ፣ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ።
31 ደጌታት እታ ኸተማ ኸኣ ብስም ነገዳት እስራኤል ይሰመያ። ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፣ ደገ ሮቤል ሓንቲ፣ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፣ ደገ ሌዊ ሓንቲ።
32 ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፣ ደጌታትውን ሰለስተ፣ ደገ ዮሴፍ ሓንቲ፣ ደገ ብንያም ሓንቲ፣ ደገ ዳን ሓንቲ።
33 ብወገን ደቡብ ከኣ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ፣ ደጌታትውን ሰለሰተ፣ ደገ ስምኦን ሓንቲ፣ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፣ ደገ ዛብሎን ሓንቲ።
34 ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፣ ደጌታትውን ሰለስተ፣ ደገ ጋድ ሓንቲ፣ ደገ ኣሴር ሓንቲ፣ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ።
35 ዙርያኣ ዓሰርተ ሾሞንተ ሽሕ እመት እዩ። ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ስም እታ ኸተማ፣ እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ፣ ክትስመ እያ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...