ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ዳንኤል (Daniel)

መጽሓፍ ዳንኤል ንኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ኣብ ምርኮ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ትሕብረና እያ ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ. ክ. ነቡካድነጻር ዚበሃል ባቢሎናዊ ገዛኢ ሕልሚ ስለ ዝሓልመ ነቶም ኣብ ቤተ መንግስቱ ዝነበሩ ጥበበኛታት (ንዳንኤል እውን ዜጠቓልል) ትርጕሙ ኺትርጕምዎ ጸውዖም ። እቲ ዜሕዝን ግን ነቡካድነጻር ነቲ ሕልሚ ኺዝክሮ ስለ ዘይክእል ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ኺዝክሮን ኣገዳስነቱ ኺርድኦን ኣለዎ እንተ ዘይኰይኑ ንሱን ብጾቱን ‘ጠንቈልቲ’ ወይ ጥበበኛታት ኪቕተሉ እዮም። እቲ ዳንኤል ዝተርጐሞ ሕልሚ ነተን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበራ እተፈላለያ ሃጸያዊ ግዝኣታትን መንግስታትን ዘመልክት ክኸውን ከሎ እቲ ናይ ዓብዪ ሃጸያዊ ግዝኣት እስክንድር መቄዶንያ ተንሲኡ ነቲ ዝተረፈ ኽውሕጦ ምዃኑ ግን ክንበ ነበሮ ። ኣብ ዳንኤል ዘጋጠመ ኻልእ ፍጻመ ድማ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚበሃሉ ኣብ ባቢሎን ተሓዪሮም ዝነበሩ ኣይሁድ ንጣኦት ነቡካድነጻር ምኽባር ብምእባዮም ናብቲ ‘ዚነድድ እቶን ሓዊ’ እተደርበዩሉ ህቡብ ፍጻመ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ሰባት ካብ ሃልሃልታ ኣድሓኖም ። እቲ ቐጺሉ እተፈጸመ ነገር ነቲ ብዳንኤል እተኣሳሰረ ሓጢኣቱ እንተ ዘይተናሲሑ ኣእምሮኡ ኸም ዚስእንን ከም ኣብዑር ሳዕሪ ኸም ዚበልዕን ሕልሚ ዝነበሮ ነቡካድነጻር እውን ዚምልከት እዩ ። አረ ቕድሚ መወዳእታ እታ ዓመትሲ ‘ካብ ሰብ ይዝውር’ እሞ ምስ ኣብዑር ሳዕሪ ንምብላዕ ናብ ደገ የንሳሕብ ጸኒሑ ኸኣ ንቡር ይኸውን።

ትንቢተ ዳንኤል (Daniel)

1 ንመንግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ ከበባውን።
2 እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፣ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ።
3 እቲ ንጉስ ከኣ ንኣሽፈናዝ፣ ሓለቓ እቶም ስሉባቱ፣ ካብ ደቂ እስራኤል፣ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መንእሰያት ኬምጽእ ነገሮ።
4 እዚኣቶም ከኣ ጕድለት ዜብሎም መልክዔኛታት ብዅሉ ጥበብ ኣስተውዓልትን ምሁራትን ኣእምሮኛታትን ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪዀኑ፣ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከኣ ኪምህርዎም፣ ኢሉ ነገሮ።
5 እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ኪምገቡ፣ ድሕሪዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ፣ ኢሉ ኣዘዘ።
6 ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፣ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ።
7 እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ስማት ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልሻጽር፣ ንሃናንያ ሲድራቅ፣ ንሚሻኤል ሚሳቅ፣ ንኣዛርያ ድማ ዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮም።
8 ዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፣ ብልቡ ሓለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።
9 ኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሀቦ።
10 እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ ኣሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ ኣሎኹ፣ በሎ።
11 ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣
12 ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ፣ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና።
13 ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ።
14 ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም።
15 እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ።
16 ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፣ ጥረ ሀቦም።
17 ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦም። ዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።
18 እታ፣ እቲ ንጉስ ኪኣትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣኣተዎም።
19 እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም፣ ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ።
20 ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር፣ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም።
21 ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ።

1 ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመ፣ መንፈሱ ኸኣ ተሀወኸ፣ ድቃሱ ኸኣ ካብኡ በረረ።
2 ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን፣ ንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ፣ ኪጽውዕዎም አዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጹ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቈሙ።
3 እቲ ንጉስ ድማ፣ ሕልሚ ሐሊመስ ነቲ ሕልሚ ኺፈልጥ መንፈሰይ ተሀዊኹ ኣሎ፣ በሎም።
4 ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብእራማይስጢ፣ ዎ ንጉስ ንዘለኣለም ህያው ኩን፣ ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና፣ በልዎ።
5-6 እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከለዳውያን፣ እቲ ነገር ረሲዐዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፣ ንስኻትኩም ክትስየፉ፣ ኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ነገርኩምኒ ግና፣ ህያብን ውህበትን ዓብዪ ኽብረትን ክህበኩም እየ፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፣ ኢሉ መለሰሎም።
7 ንሳቶም ድማ ካልእይ ጊዜ፣ እቲ ንጉስ ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና፣ ኢሎም መለሱሉ።
8 እቲ ንጉስ ከኣ፣ እቲ ነገር ከም ዝረሳዕክዎ ስለ ዝርኤኹም፣ጊዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘሎኹም፣ ብርግጽ እፈልጥ ኣሎኹ።
9 ነቲ ሕልሚ እንተ ዘየፍለጥኩምኒ ግና፣ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽሳዕ ዚሓልፍ፣ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሶትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሳማሚዕኩም ኣሎኹም፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፣ ኣነ ኸኣ ትርጉሙ ኸም እትነግሩኒ እፈልጥ እየ፣ ኢሉ መለሰሎም።
10-11 እቶም ከለዳውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ንጉስሲ፣ ምንም እኳ ዓብይን ብርቱዕን እንተ ዀነ፣ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፈልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዮ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኰይኖም፣ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፣ ማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኰነን፣ ኢሎም መለሱ።
12 ስለዚ እቲ ንጉስ ኰረየ፣ ኣዝዩ ተናደደ፣ ንዘለዉ ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ኬጥፍእዎም አዘዘ።
13 እቲ ፍርዲ ድማ ወጸ፣ ነቶም ጠቢባን ከኣ ኪቐትልዎም ጀመሩ፣ ንዳንኤልን ንመሓዙቱንውን ኪቐትልዎም ኢሎም ይደልይዎም ነበሩ።
14 ሽዑ ዳንኤል ንኣርዮክ፣ ነቲ ንጠቢባን ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ሓለቓ ዘብዔኛታት ንጉስ፣ ብምኽርን በእምሮን መለሰሉ።
15 ንሱ ንኣርዮክ፣ ናይ ንጉስ መኰነን፣ እዚ ብርቱዕ ፍርዲ ኻብ ንጉስ ስለምንታይ ወጸ∶ ኢሉ መለሰሉ። ኣርዮክ ድማ እቲ ነገር ንዳንኤል ኣፍለጦ።
16 ዳንኤል ከኣ ናብ ንጉስ ኣትዩስ፣ እቲ ትርጉሙ ኬፍልጦስ ጊዜ ኺህቦ፣ ንንጉስ ለመኖ።
17-18 ድሕርዚ ዳንኤል ናብ ገዝኡ ኸደ እሞ፣ ዳንኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፣ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን መሓዙቱ፣ እቲ ነገር ኣፍለጦም።
19 ሽዑ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉ። ዳንኤል ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።
20 ዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፣ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፣ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።
21 ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፣ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም።
22 ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፣ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር።
23 ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካኒ ኢኻ እሞ፣ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒ፣ ሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፣ ኤመስግነካን እውድሰካን ኣሎኹ።
24 ስለዚ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፣ ኣትዩ ኸኣ፣ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፣ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፣ ኢለ ነገሮ።
25 ሽዑ ኣርዮስ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፣ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጥ ሰብኣይ ረኺበ ኣሎኹ፣ በሎ።
26 እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፣ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉምን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ∶ ኢሉ መለሰሉ።
27 ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዚሐተላ ዘሎ ምስጢርስ እቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽእሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ።
28 ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣
29 ዎ ንጉስ፣ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኽውን፣ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፣ ሓሳባት ተንስኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኽውን ኣፍለጠካ።
30 ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ ፣እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ኽንገር እሞ፣እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፣ ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰነን።
31 ዎ ንጉስ፣ እንሆ፣ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻ። እዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸኣ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቕድሜኻ ቖመ፣ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ።
32 እዚ ምስሊ እዚ፣ ርእሱ ብሉጽ ወርቂ፣ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፣ ከብዱን ሕቝኡን ከኣ ኣስራዚ ነበረ፣
33 መሓውሩ ሓጺን፣ ኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሓጺን፣ ገሊኡ መሬት ነበረ።
34 ንስኻ ትጥምት ነበርካ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኢድ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፣ ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቖዖን ዳዕመኾን።
35 ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬት ኣስራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመ?፣ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ?ነ፣ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ።
36 እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክነግሮ ኢና።
37 ዎ ንጉስ፣ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ።
38 ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩሉ ዘበለ ኸኣ ኣብ ኢድካ ሀበካ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ኣግዝኣካ፣ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።
39 ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሳይቲ መንግስቲ ኣስራዚውን ክትትንስእ እያ።
40 እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን፣ ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ነገር ዚጭፍልቕን ዚሰባብርን፣ ኸምኡ ኸኣ ከም ዚቕጥቅጥ ሓጺን ኰይና፣ ነዚ ዅሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ።
41 እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ መሬት፣ ገሊኡ ሓጺን ዝርኤኻዮ፣ ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ኽትከውን እያ። ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዊሱ ዝርኤኻዮ፣ ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ኺህልዎ እዩ።
42 ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፣ ገሊኡ ኸኣ መሬት ዝነበረ፣ ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፣ ገሊኣ ኸኣ ተሰባሪት ክትከውን እያ።
43 እቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዋሲ ዝርኤኻዮ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሓዋወሱ፣ ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፣ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።
44 ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፣ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፣ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።
45 ከምቲ እምኒ፣ ኢድ ከይተንከዮ፣ ካብ ከረን ተፈንቂሉ ንሓጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ኪድዕምኾ ኸሎ ዝርኤኻዮ፣ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድሕርዚ ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ እሙን እዩ።
46 ሽዑ ንጉስ ነቡካድነጻር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ። መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኬቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ።
47 እቲ ንጉስ ንዳንኤል፣ ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልጻ ካብ ከኣልካስ፣ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ፣ ኢሉ መለሰሉ።
48 ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎ፣ ብዙሕን ዓብይን ውህበት ሀቦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ሓለቓ ገበሮ።
49 ዳንኤል ንንጉስ ለሚኑ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። ዳንኤል ግና ኣብ ደገ ንጉስ ነበረ።

 

1 ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱ፣ ሹድሽተ እመት ዝወርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ።
2 ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ኽጽምብልዎ፣ ክእከቡ ለኣኸሎም።
3 ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ኺጽምብልዎስ ተኣከቡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ንምስሊ ኸኣ ቘሙ።
4-6 እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፣ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፣ ደሃይ መለኸት እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፣ ተኣዚዝኩም ኣሎኹም። ፍግም ዘይበለ ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ፣ ኢሉ ኣወጀ።
7 ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ነቲ ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፣ ብኡብኡ ዅሎም እቶም ኣህዛብ ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ግፍም ኢሎም ሰገድሉ።
8 በቲ ጊዜ እቲ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።
9 ንሳቶም ከኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር መለሱሉ በልዎውን፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን።
10-11 ዎ ንጉስ፣ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፣ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግደሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፣ ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ፣ ኢልካ ኣዘዝካ።
12 እምብኣርሲ ዎ ንጉስ፣ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት፣ ሲድራቅን ሚሳቅን፣ ዓብዱ፣ኔጎን፣ ኣልውዉ፣ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፣ ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፣ በልዎ።
13 ሽዑ ነቡካድነጻር ኰርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኬምጽእዎም ኣዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኣም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም።
14 ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፣ ኣቱም ሲድራቅ፣ሚሳቅ፣ዓብድ-ኔጎ፣ እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፣ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ∶
15 ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸት እምንብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ኸሎኹም፣ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለው። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፣ ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ∶ በሎም።
16 ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለስሉ፣ ዎ ነቡክድነጻር፣ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣይድልየናን።
17 ዎ ንጉስ፣ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፣ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ።
18 ዎ ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ።
19 ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እምብዛ ተናደደ፣ ትርኢቱ ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተው ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ ኣዘዘ።
20 ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ∶ኔጎን ኪኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም፣ ካብቲ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ኣዘዘ።
21 ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብቐምሾምን ባርኖሶምን መጓናጸፍያኦምን ብዅሉ ኽዳውንቶምን ተኣስሩ፣ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸኣ ተደርበዩ።
22 እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፣ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝደርበይዎም ሰባት ቀተሎም።
23 እዞም ሰለሰተ ሰባት እዚኦም፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፣ ብእሱራቶም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ወደቑ።
24 ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፣ ተቐላጢፉውን ተንስኤ፣ ነማኸርቱ ድማ፣ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን∶ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ፣ ርግጽ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ ኢሎም መለስሉ።
25 ንሱ ኸኣ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፣ ገለ እካ ኸይተጐድኡ፣ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ ኣሎኹ፣ ትርኢቱ እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል፣ ኢሉውን መለሰ።
26 ድሕርዚ ነቡካድነጻር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎ፣ ኣቱም ባሮት ኣምላኽ፣ ውጹ፣ ናብዚ ንዑ፣ ኢሉ ተዛረበ።ሽዑ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ።
27 እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉስን ተኣኪቦም፣ ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ስጋኦም ገለ ሓይሊ ኸም ዘይነበሮን ረኣዩ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይቃረየን፣ ክዳውንቶም ኣይተለወጠን፣ ኤረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሐለፎምን።
28 ነቡካድነጻር ከኣ፣ እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ ኣበዩ፣ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ፣ ኢሉ መለሰ።
29 ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፣ ስለዚ ኣነ፣ ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣህዛብን ወገናትን-ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ፣ ንሱ ኺስየፍ፣ ቤቱ ኸኣ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን፣ እእዝዝ ኣሎኹ፣ ኢሉ መለሰ።
30 ድህርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።

 

1 ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ብዘላ ምድሪ ዘሎኹም ኵሉኹም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን፣ ሰላም ይብዛሕኩም።
2 እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩኒ ኣሎ።
3 ትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ፣ ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣ ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
4 ኣነ ነቡካድነጻር፣ ኣብ ቤተይ ዐሪፈ፣ ኣብ ኣዳራሸይ ድማ ባህ ኢሉኒ ነበርኩ።
5 ዜሰምብደኒ ሕልሚ ርኤኹ፣ ኣብ መደቀስየይ፣ ከሎኹ፣ ሓሳባትን ራእያት ርእሰይን ኣጨነቐኒ።
6 ስለዚ ንዅላቶም ጠቢባን ባቢሎን፣ ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ኼፍልጠኒ፣ ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎም፣ ኣዘዝኩ።
7 ሽዑ እቶም ጠቡባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ፈለጥትን መጹ፣ ነቲ ሕልሚ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተዛረብኩ፣ ንሳቶም ግና ትርጓሜኡ ኣየፍለጡንን።
8 ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ ቤልጥሻጽር እተሰምየ፣ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ኣብ ቅድመይ ኣተወ፣ ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዚ ኢለ ተዛረብኩ።
9 ኣታ ቤልጥሻጽር ሊቀ ጥቢባን፣ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካን ዜሸግረካ ምስጢር ከ ከም ዜብልካን እፈልጥ እየ እሞ፣ እቲ ዝርኤኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጓሜኡን ንገረኒ።
10 እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኹዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፣ እንሆ፣ ኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኹ፣ ቍመታ ኸኣ ነዋሕ እያ።
11 እታ ኦም ዐብያን በርቲዓን፣ ቍመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፣ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት።
12 ቈጽላ ጽቡቕ ነበረ፣ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፣ ንዅሉ ኸኣ ምግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለን፣ ኣዐዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፉረን ነበራ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።
13 እንሆ፣ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፣ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ።
14 ንሱ ኸኣ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን፣ ነዛ ኦም ቍረጽዋ፣ ጨናፍራ ጸልጽሉ፣ ቈጽላ ኣርግፉ፣ ፍሬኣ በትኑ፣ እተን እንስሳ ካብ ትሕቲኣ፣ እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ።
15 ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ፣ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፣ ምስ እንስሳ ኸኣ ግዲኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን።
16 ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፣ ልቢ እንስሳ ኸኣ ይወሀቦ፣ ሾብዓተ ግዝያት ድማ ይሕለፎ።
17 እቶም ህያዋንሲ፣ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ’ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደኣ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፣ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ፣ እዚ ነገር እዚውን ኣቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ።
18 ነዚ ሕልሚ እዚ ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ርኤኽዎ። ኣታ ቤልጥሻጽር፣ ኵላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጓሜኡ ኼፍልጡኒ ኻብ ዘይኽእሉ፣ ንስኻ ግና፣ እቲ መንፈስ ቅዱስን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፣ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፣ ትርጓሜኡ ንገረኒ።
19 ሽዑ እቲ ቤልጥሻጽር ዝስሙ ዳንኤል ሓንሳእ ዝን በለ፣ ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ። እቲ ንጉስ ድማ፣ ኣታ ቤልጥሻጽር፣ እቲ ሕልምን ትርጓሜኡን ኣየጨንቕካ፣ ኢሉ መለሰሉ። ቤልጥሻጽር ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፣ ጐይታየ፣ እቲ ሕልሚ ንጸላእትኻ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ንተጻረርትኻ ይኹን።
20 እታ ዝርኤካያ ኦም፣ እታ ዝዐበየትን ዝበርትዔትን፣ ቍመታ ኣብ ሰማይ ዝበጽሔ፣ ኣብ ኵሉ ምድሪውን እተራእየት፣
21 ቈጽላ ዝጸበቐ፣ ፍሬኣ ዝበዝሔ፣ ንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፣ እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፣ ኣብ ጨናፍራውን ኣዕዋፍ ሰማይ ዚዐርፋላ ኦም፣
22 ዝዐቤኻን ዝበርታዕካን፣ ዕቤትካ እናዐበየ ኽሳዕ ሰማይ፣ ግዛትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሔስ ንስኻ ኢኻ፣ ዎ ንጉስ።
23 እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረኣዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፣ ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፣ ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ፣ ብሰንሰለት ሕጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፣ ሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሓልፋ፣ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፣ ግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፣ ዝበለ፣
24 ትርጓሜኡ እዚ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ፣
25 ካብ ሰብ ክትስ?ጕ፣ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፣ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፣ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፣ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ክሳዕ እትፈልጥሲ፣ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን።
26 እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ሱራት ይጽናሕ እተባህለ ግና፣ ሰማይ ከምዚመልኽ ምስ ፈለጥካ፣ መንግስትኻ ኽትምለሰካ እያ።
27 ስለዚ፣ ዎ ንጉስ፣ ምኽረይ ስማዕ፣ ንሓጢኣትካ ብጽድቂ፣ ንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቍረጾ፣ ምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ።
28 እዚ ዅሉ ንንጉስ ነቡካድነጻር በጽሖ።
29 ድሕርዚ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፣ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ይዘውር ነበረ፣
30 እቲ ንጉስ ከኣ፣ እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን∶ ኢለ ተዛረበ።
31-32 እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፣ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፣ ንኣኻስ፣ መንግስቲ ካባኻ ኸይዳ እያ፣ ይበሀለካ ኣሎ፣ ካብ ሰብ ክትስጐጕ፣ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፣ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፣ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲ፣ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋካ እየን፣ ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ ወረደ።
33 ብኡብኡ እቲ ነገር ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመ፣ ጸጕሩ ኸም ናይ ንስሪ፣ ኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኰይኑ ኽሳዕ ዚነውሕ፣ ካብ ሰብ ተሰጐ፣ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዔ፣ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።
34 እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፣ ኣነ ነቡካድነጻር፣ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረክኹ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፣ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፣ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብር፣ ወደስኩን ኣኽበርኩን።
35 እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን፣ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ንኢዱ ዚክልክላ፣ ሰለምንታይ እዚ እትገብር፣ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።
36 በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለስለይ፣ ንኽብሪ መንግስተይ ከኣ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዪኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩ፣ ዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኽለይ።
37 ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ ኤመስግኖን ልዕል ኤብሎን ኤኽብሮን ኣሎኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፣ መገድታቱ ኸኣ ፍርዲ እዩ እሞ፣ ነቶም ተዐብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይኽእል እዩ።
1

1 ንጉስ ቤልሻጽር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።
2 ቤልሻጽር ሰኺሩ፣ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩ፣ ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጻር ካብ መቕደስ የሩሳሌም ዝወሰዶ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ ኣዘዘ።
3 ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ወርቂ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ከኣ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።
4 ወይኒ እናሰተዩ፣ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብዕጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወደሱ።
5 በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕልቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፣ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጻን ጸሐፋን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ኢድ ሰብ ረኣያ።
6 ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠ፣ ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ፣ ጅማውቲ ሕቝኡ ድማ ላሕልሔ፣ ኣብራኹውን ንሓድሕዱ ተዋቕዔ።
7 እቲ ንጉስ ነቶም ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ኸዋክብትን ኬእትውዎም፣ ዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን፣ ዝዀነ ይኹን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጓሜኣ ኸኣ ዚነግረንን ቀይሕ ሃሪ ኺለብስ፣ ድሪ ወርቂ ኺኣስር፣ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን እዩ፣ ኢሉ መለሰ።
8 ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፣ ግናኸ ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣ ነቲ ንጉስ ኪነግርዎን ኣይከኣሉን።
9 ሽዑ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዮ ሰምበደ፣ ገጹ ተለወጠ፣ መኳንንቱውን ተጨነቑ።
10 እታ ንግስቲ በቲ ንንጉስን መኳንንቱን ዝበጽሖም ነገር ናብ ቤት ምሳሕ ኣተወት። እታ ንግስቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ በለት፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን፣ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፣ ገጽካውን ኣይለወጥ።
11 መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ብዘመን ኣቦኻ ድማ ብርሃንን ኣእምሮን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝዀነ ጥበብን ተረኽቦ። ዎ ንጉስ፣ ኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጻር፣ ባዕሉ ኣቦኻ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ኸዋክብትን ሾሞ።
12 ኣብቲ እቲ ንጉስ ቤልጥሻጽር ኢሉ ዘውጽኣሉ ምትርጓም ሕልምን ምግላጽ ምስጢርን ምቕናዕ እተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ ሕጂ ዳንኤል ይጸዋዕ፣ ንሱውን ነቲ ትርጓሜ ኼፍልጠካ እዩ።
13 ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንዳንኤል፣ እቲ ኻብቶም ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝዀንካ ዳንኤል ንስኻዶ ኢኻ∶ ኢሉ መለሰ።
14 ኣነ ብዛዕባኻ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካ፣ ብርሃንን ምስትውዓልን ብሉጽ ጥበብን ድማ ከም እተረኸበካ፣ ሰማዕኩ።
15 ሕጂ ኸኣ እቶም ጠቢባን ፈለጥትን፣ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ኼንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኼፍልጡኒ፣ ኣብ ቅድመይ ኣምጻእዎም፣ ግናኸ ትርጓሜ እቲ ነገርሲ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን።
16 ብዛዕባኻ ግና ትርጓሜታት ምትርጓም፣ እተጠላለፈ ነገር ከኣ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዔ ኣሎኹ። እምብኣርስ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጓሜኣ ድማ ከተፍልጠንን እንተ ኸኣልካስ፣ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፣ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፣ ኣብታ መንግስቲ ኸኣ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ፣ በሎ።
17 ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፣ ህያብካ ንኣኻ ይኹን፣ ውህበታትካውን ንኻልእ ሀቦ። ዝዀነ ኾይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉ፣ ትርጓሜኣውን ከፍልጦ እየ።
18 ዎ ንጉስ፣ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሀቦ።
19 ስለ እቲ ንሱ ዝሀቦ ዕቤት ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሁን ነበሩ። ንዝደለዮ ቐተሎ፣ ንዝደለዮ ብህይወት ኪነብር ሐደጎ። ንዘደለዮ ልዕል ኣበሎ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ኣዋረዶ።
20 ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ፣ መንፈሱ ኸኣ ተሪሩ ምስ ተዐበየ፣ ካብ ዝፋን መንግስቱ ወረደ፣ ክብረቱውን ተወስዶ።
21 ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐ፣ ልቡ ኸኣ ከም ናይ እንስሳ ዀነ፣ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፣ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎ፣ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ፣ እዚ ኸኣ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዝመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜቝመሉ፣ ክሳዕ ዜስተውዕሎ እዩ ዝዀነ።
22 ኣታ ቤልሻጽር ወዱ፣ ምንም እኳ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ኽነስካስ፣ ልብኻ ኣየትሐትካን።
23 ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፣ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፣ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ። ነቶም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕጨይትን እምንን ወደስካ እምበር: ነቲ ንስትንፋስካን ንኹለን መገድኻን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን።
24 ስለዚ ኸኣ እታ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዝጸሐፈት ኢድ ካብኡ እያ እተላእከት።
25 እዛ ጽሕፍቲ ጽሕፈት እትብሎ ዘላ ኸኣ፣ መኔ፣ መኔ፣ ቴቄል ኡፋርሲን፣ እዩ።
26-28 ትርጓሜኡ ድማ መኔ፣ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጸሮን ጠረሶን፣ ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ ቀሊልካ ተረኽብካ፣ ኡፋርሲን፣ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፣ ማለት እዩ።
29 ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ኪኸድንዎ፣ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ኺኣስሩሉ ኣዘዘ፣ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።
30 በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።
31 ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ፣ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ፣ ነታ መንግስቲ ተቐበላ።

 

1 ንዳርዮስ፣ ኣብ ብዘላ መንግስቱ ዚዀኑ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኣብታ መንግስቲ ኺሸይም፣ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ።
2 እቲ ንጉስ ከይጕዳእሲ፣ እቶም መሳፍንቲ ጸብጻብ ኪህቡዎም፣ ኣብ ልዕሊኦም ሰለስተ ኣርኣሰሎም፣ ሓደ ኻብ እዚኣቶም ከኣ ዳንኤል እዩ።
3 ዳንኤል ግና፣ ብሉጽ መንፈስ ሐዲርዎ ነበረ እሞ፣ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፣ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኼርእሶ ሐሰበ።
4 ሽዑ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ኺረክቡሉ ደለዩ፣ ግናኸ እሙን ነበረ፣ ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸኣ ሰኣኑሉ እሞ፣ ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኺረክቡሉ ከቶ ኣይከኣሉን።
5 ሽዑ እቶም ሰባት፣ ነዚ ዳንኤልሲ፣ በታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘኰይኑ፣ ካልእ ምክንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፣ በሉ።
6 ድሕርቲ እቶም ራእስታትን መሳፍትን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተኣከቡ እሞ ከምዚ ኢሎም በልዎ፣ ዎ ዳርዮስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን።
7 ኵላቶም ኣማኸርትን ምስሌኔታትን ሹማምትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስሌታትን፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ እንተ ዘኰይኑ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ፣ ትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕ፣ ብርቱዕ ክልክል ከኣ ኪእወጅ ሐቢሮም መኸሩ።
8 ዎ ንጉስ፣ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ከይልወጥሲ፣ ስምካ ጽሒፍካ ነቲ ኽልክል ኣጽንዓዮ።
9 ንጉስ ዳርዮስ ድማ ነቲ ጽሑፍን ክልክል ኣጽንዖ።
10 ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፣ ጸለየን ኣመስገነን።
11 ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡ፣ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ረኽብዎ።
12 ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ንኣኻ እንተ ዘይኰነስ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ፣ ኢልካዶ ኽልክል ኣይኣወጅካን∶ ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ።
13 ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ እዚ ኻብ ደቂ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን ኣሎ እምበር፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፣ ኢሎም መለሱ።
14 እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፣ ኣዝዩ ጐሀየ፣ ምእንቲ ኼናግፎ ኸኣ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበ፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውን፣ኬድሕኖ ተጋደለ።
15 ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተኣከቡ እሞ፣ ዎ ንጉስ፣ እቲ እቲ ንጉስ ዘጽንዖ ክልክል ትእዛዝን ከይልወጥሲ፣ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ህጊ ኸም ዘሎ ፍለጥ፣ ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።
16 ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዘዘ፣ ንዳንኤል ከኣ ኣምጽእዎ፣ ናብ ጕድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ፣ በሎ።
17 ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዐጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ፣ ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ።
18 እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራሹ ኸደ፣ ጾሙ ኸኣ ሐደረ፣ ኣብ ቅድሚኡ ድራር ኣየቕረበን፣ ድቃስውን ካብኡ በረረ።
19 ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤ፣ ቀልጢፉ ኸኣ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ።
20 ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበ፣ ንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸኣለ∶ ኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ።
21-22 ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፣ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፣ ከቶውን ኣይጐድኡንን፣ ኢሉ መለሰሉ።
23 ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዮ ተሐጐሰ፣ ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፣ ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን።
24 እቲ ንጉስ ከኣ ኣዘዘ፣ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፣ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ዅሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎ።
25 ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ፣ ሰላም ይብዛሓልኩም።
26 ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ፣ መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፣ ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቀጡን ይፍርሁን፣ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ።
27 ንሱ የናግፍን የድሕንን፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ካብ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሐነ ድማ ንሱ እዩ።
28 እዚ ዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ ብዓል ፋርስን ሰልጠነ።

 

1 ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፣ ዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፣ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረኣየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሕፎ፣ ርእሰ ነገሩውን ኣዘንተዎ።
2 ዳንኤል ከምዚ ኡሉ ተዛረበ፣ ለይቲ ብራእየይ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ።
3 ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ።
4 እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰብውን ተዋህቦ።
5 እንሆ ድማ፣ ካልኣይ፣ ንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስኤ፣ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፣ ከኣ በልዎ።
6 ድሕርዚ እንሆ፣ ካልእ ኣራዊት፣ ኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣ ግዝኣት ድማ ተዋህቦ።
7 ድሕርዚ ብራእያት ለይቲ፣ እንሆ፣ መፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸኣ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፣ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።
8 ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ካልእ ቀርኒ ወጸ፣ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመንቈሱ። እንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ነበሮ።
9 ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።
10 ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፣ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነ፣ መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።
11 ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቐርኒ እተዛረቦ፣ ድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተል ጠመትኩ፣ ስጋኡ ጠፍኤ፣ ምእንቲ ኺነድድ ከኣ ንሓዊ ተዋህበ።
12 ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፣ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎም።
13 ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።
14 ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስ፣ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።
15 ኣነ ዳንኤል፣ መንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፣ እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ።
16 ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፣ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኸኣ ርግጹ ሓተትኩዎ። ንሱ ተዛረበኒ፣ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒ።
17 እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።
18 እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፣ ነታ መንግስቲውን ንዘለኣለም፣ ኤረ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም።
19-20 ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲ፣ ኣስናኑ ሓጺን፣ ኣጽፋሩ ኸኣ ኣስራዚ ዝዀነ፣ ዝወሓጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋገጾን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝዀነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰረት ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፣ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፣ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፣ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ፣ ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸት፣ ርግጹ ኺፈልጥ ደሌኹ።
21-22 እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ፍርዲ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ክሳዕ ዚወሀብ፣ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእ፣ እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ።
23 ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፣ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፣ ካብ ኵለን መንግስታት በይና ዝኰነት ዓይነታ፣ ራብዐይቲ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኽትከውን እያ፣ ንዅላ ምድሪ ኽትውሕጣን ክትረግጻን እያ።
24 እቶም ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፣ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእ፣ ንሰለስተ ነገስታትውን ኬውርዶም እዩ።
25 ኣብቲ ልዑል ከኣ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዛረብ፣ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም፣ ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ፣ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።
26 ግናኸ ፍርዲ ኪኸውን፣ ብጥራስ ኪጸንትን ኪጠፍእን ከኣ፣ ግዝእቱ ኻብኡ ኺውሰድ እዩ።
27 እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፣ ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዎን ኪእዘዝዎን እዮም።
28 ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገር። ኣነ ዳንኤል ሓሳባተይ ኣዝዩ ኣጨነቐኒ፣ ገጸይ ተለወጠኒ፣ ነቲ ነገር ከኣ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።

 

1 ንግዝኣት ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣይ ንዳንኤል፣ ድሕሪ እቲ ብመጀመርያ እተገልጸለይሲ፣ ራእይ ተገልጸለይ።
2 ብራእይ ከኣ ርኤኹ፣ ክርኤ ከሎኹ ድማ፣ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ነበርኩ። ብራእይ ርኤኹ፣ ኣብ ጥቓ ርባ ኡላይ ከኣ ነበርኩ።
3 ኣዒንተይ ኣልዒለ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ክልተ ዝቐርኑ ድዑል ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ነበረ፣ እተን ክልተ ኣቕርንቲ ድማ ልዕል ዝበላ እየን፣ እታ ሓንቲ ግና ካብታ ሓንቲ ልዕል ዝበለት ኣያ፣ እዛ ኣውራ ልዕልቲ ኸኣ ደሓር እያ ዝወጸት።
4 እቲ ድዑል ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ ንሰሜን ኣቢሉ፣ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፣ ኪቃወሞ ዚኽእል ኣራዊት ኣይነበረን፣ ካብ ኢዱ ኼናግፍ ዚኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፣ ዓብዪ ድማ ዀነ።
5 ኣነ ኸስተብህል ከሎኹ፣ እንሆ፣ ድቤላ ኻብ ምዕራብ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ መጸ፣ ንምድሪ ኸኣ ኣይተንከያን። እዚ ድቤላ እዚ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቀርኒ ነበረቶ።
6 ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ ድዑል መጸ፣ ብነድሪ ሓይሉውን ጐየዮ።
7 ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ርኤኽዎ፣ ኣዝዩ ኸኣ ተቘጥዖ፣ ነቲ ድዑል ወቕዖ እሞ ክልቲኤን ኣቕርንቱ ሰበሮ፣ ናብ ምድሪ ኣውደቖን ረገጾን። እቲ ድዑል ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፣ ነቲ ድዑል ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸአለ ኸኣ ኣይነበረን።
8 እቲ ድቤላ ግና እምብዛ ዓብዪ ዀነ። ምስ በርትዔ ድማ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰብረት፣ ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ወጻ።
9 ካብ ሓንቲኤን ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፣ ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ኽብርቲ ሃገርን ኣቢላ ዐበየት።
10 ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዐበየ እሞ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከኣ።
11 ኤረ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት እኳ ተዐበየሉ። ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኸኣ ካብኡ ኣትረፎ፣ እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት።
12 እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፣ ገበረ ሰለጠሉ ኸኣ።
13 ሽዑ ኻብ ቅዱሳንሲ ሓደ ኻዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ ዘሎ፣ ብዛዕባ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከኣ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ኺውሀብ ዚመጽእ ምዕናውን ዚነግር ራእይሲ ኽሳዕ መኣስ ኣዩ ዚንበር∶ ኢሉ ተዛረቦ።
14 ንሱ ኸኣ፡ ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን፡ ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ፡ በለኒ።
15 ኰነ ድማ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ርኤኹ፣ ከስተውዕሎ ደሌኹ። እንሆ ኸኣ፣ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።
16 ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፣ ገብርኤል፣ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉ፣ ኢሉ ዚጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ።
17 ንሱ ኸኣ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ምስ መጸ፣ ሰምበድኩ ብገጸይውን ወደቕኩ። ንሱ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ መወዳእታ ኣያ እሞ፣ ኣስተውዕል፣ በለኒ።
18 ንሱ ኺዛረበኒ ኸሎ፣ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። ግናኸ ንሱ ተንከየኒ፣ ቀጥ ኣቢሉ ኸኣ ኣቘመኒ።
19 ንሱውን በለ፣ እዚ ብዛዕባ እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ጊዜ ቝጥዓ ዚኸውን ከፍልጠካ እየ።
20 እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።
21 እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።
22 ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ዝተንሳኣን፣ ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ኪትንስኣ እየን፣ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረይኣን እየን።
23 ኣብቲ መወዳእታ መንግስቶም ከኣ፣ እቶም ኣበሰኛታት መስፈሮም ምስ መልኤ፣ ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኰል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእ እዩ።
24 ሓይሉ ኺብርትዕ እዩ፣ ብሓይሉ ግና ኣይኰነን፣ መስተንክር ዝዀነ ጥፍኣት ኪገብር እዩ። ኪገብር ኪሰልጦውን እዩ፣ ንሓያላትን ንህዝቢ ቅዱሳንን ድማ ኬጥፍኦም እዩ።
25 ብጥበቡ ኸኣ ምጥባር ኣብ ኢዱ ኼስልጥ፣ ብልቡ ኺዕበ፣ ብድንገት ንብዙሓት ኬጥፍእ፣ ኤረ ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ኺትንስኦ እዩ፣ ግናኸ ብዘይ ኢድ ሰብ ኪስበር እዩ።
26 እቲ ብዛዕባኡ ኣተዘርበ ናይ ምሸትን ብጊሓትን ራእይሲ ሓቂ እዩ። እዚ ራእይ ንርሑቕ ዘመን እዩ እሞ፣ ሕተሞ።
27 ኣነ ዳንኤል ከኣ ዐወልኩ፣ ሓያሎ መዓልቲ ድማ ሓመምኩ፣ ደሓር ተንሳእኩ፣ ኣብ ዕዮ ንጉስውን ተጸመድኩ። በቲ ራእይ ከኣ እድነቕ ነበርኩ፣ ነዚ ዘስተብህል ግና ኣይነበረን።

1 ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፣ ኣብ መንግስቱ ከለዳውያን ከኣ ንጉስ ዝዀነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፣
2 ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልኩዎ፣ ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ።
3 ብማቕን ብሓመዅስትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ።
4 ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ኢለ ለመንኩን ተናዘዝኩን፣ ዎ ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፣
5 ንሕና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና።
6 ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን።
7 ጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ንኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ።
8 እወ፣ ጐይታየ፣ በዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትና፣ ንመሳፍንትና፣ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ።
9 ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።
10 ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣይሰማዕናን፣ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን።
11 ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፣ ደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰ። በዲልናዮ ኢና እሞ፣ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና።
12 ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ።
13 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፣ እዚ ዅሉ መዓት ወረደና ግናኸ ካብ ኣበሳና ኽንምለስ፣ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን።
14 እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ጻድቕ እዩ፣ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፣ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ።
15 ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፣ ንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፣ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፣ ንሕና ኣበሳና፣ እኩይ ገበርና።
16 ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፣ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፣ እታ ቅድስቲ ደብርኻ፣ ከተምልስ እልምነካ ኣሎኹ።
17 ዎ ኣምላኽና፣ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ።
18 እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት።
19 ጐይታየ፣ ስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብ፣ ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር፣ ኣይትደንጕ።
20 ክዛረብ፣ ክጽሊ፣ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፣ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፣
21 ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፣ ቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ።
22 መሀረኒ፣ ተዛረበኒ፣ በለውን፣ ዳንኤለየ፣ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ።
23 ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፣ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምብኣርስ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፣ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ።
24 ንዕልወት መወዳእታ ኺግበሮ፣ ሓጢኣት ኪውዳእ፣ ኣበሳ ኺዕረቕ፣ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ኺኣቱ፣ ራእይን ትንቢትን ኪሕተም፣ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፣ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ።
25 እምብኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፣ እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ፣ መስፍን፣ ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፣ ጊዜ ጸበባ ኽነሱ፣ ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ።
26 ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ፣ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ከኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፣ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፣ ጥፍኣታውን ምዱብ እዩ።
27 ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።

 

1 ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ ነገር ከኣ ሓቂ እዩ፣ ስለ ዓብዪ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፣ ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሎ።
2 በቲ ጊዜ እቲ ነቲ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ።
3 እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዚፍጸማ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን።
4 ኣብታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዲቄል ነበርኩ።
5 ኣዒንተይ ቈላሕ ኣበልኩ እሞ ርኤኹ፣እንሆ ኸኣ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ።
6 ስጋኡ ኸም በሪሎስ፡ ገጹ ኸም ትርኢት መብረቕ፡ ኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋና፡ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ኣስራዚ፡ ድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምዚ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።
7 ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በይነይ እየ ዝርኤኽዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረኣይዎን ዓብዪ ስምባድ ግና ወደቖም፣ ኪሕብኡ ኸኣ ሀደሙ።
8 ሽዑ በይነይ ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ኸኣ ርኤኹ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን፣ ሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒ፣ ሓይሊውን ኣይተረፈንን።
9 ድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፣ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።
10 እንሆ ኸኣ፣ ኢድ ተንከየትኒ፣ በብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከኣ ኣተንስኣትኒ።
11 ንሱውን፣ ኣታ ዳንኤል፣ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፣ ኣነ ሕጂ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፣ ነቲ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎ፣ ቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል፣ በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒ፣ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
12 በለኒ ድማ፣ ዳንኤለየ፣ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ፣ ኣይትሸበር፣ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸኣ መጺኤ እኔኹ።
13 እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፣ ሚካኤል፣ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፣ ንምሕጋዘይ መጸ፣ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ።
14 እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ፣ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ።
15 እዚ ቓላት ዚ ምስ ነገረኒ፣ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ።
16-17 እንሆ ኸኣ፣ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፣ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ፣ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፣ ጐይታየ፣ በቲ ዝርኤኽዎ ራእይሲ ሕማመይ ደጊሱኒ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን፣ ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፣ ባርያ እዚ ጐይታይሲ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ኪዛረብ ይከኣሎ∶ በልክዎ።
18 ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን።
19 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፣ ኣይትሸበር፣ ሰላም ንኣኻ ይኹን፣ በርትዕ፣ ኤረ በርትዕ፣ በለ። ምስ ተዛረበኒ፣ በርታዕኩ፣ ኣነውን፣ ጐይታየ፣ ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፣ ተዛረብ፣ በልኩ።
20 ንሱ ድማ በለ፣ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊጥካ ኣሎኻ∶ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ እንሆ፣ እቲ መስፍን ዮናኒ ኺመጽእ እዩ።
21 ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ ኣሎኹ፣ ብጀካ ሚካኤል: እቲ መስፍንኩም፣ ሓደ እኳ ዚህግዘኒ የብለይን።

 

1 ኣነ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ ዓመት ንዳርዮስ ሜዶናዊ ኽሕግዞን ክጽንዖን ቈይመ ነበርኩ።
2 ሕጂ ኸኣ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ። እንሆ፣ እንድሕርዚውን ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም። እቲ ራብዓይ ድማ ካብ ኵላቶም ዝበለጸ ኺህብትም እዩ። በቲ ሃብቱ ምስ በርትዔ ድማ፣ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ ኼተንስኦም እዩ።
3 ሽዑ ዓብዪ ግዝኣት ዚገዝእን ዝደለየ ዚገብርን ብርቱዕ ንጉስ ኪትንስእ እዩ።
4 ንሱ ምስ ተንስኤ ኸኣ፣ መንግስቱ ክትስበር፣ ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽትመቓቐል እያ። መንግስቱ ኽትፈርስ፣ ካብታቶም ናብ ካልኦት ክትሐልፍ እያ እሞ፣ ንዘርኡ ኣይክትከውንን እያ፣ ከምቲ ኺገዝእ ከሎ ዝነበሮ ስልጣን ከኣ ኣይኪህልዋን እዩ።
5 እቲ ንጉስ ደቡብ ኪብርትዕ፣ ሓደ ካብ መሳፍንቱ ኸኣ ካብኡ ኺብርትዕን ኪገዝእን እዩ፣ ግዝኣቱውን ዓብዪ ግዝኣት ኪኸውን እዩ።
6 ድሕሪ ቕሩብ ዓመታት ከኣ ኪሐብሩ እዮም። እታ ጓል ንጉስ ደቡብ ድማ ከተሳማምዕ ኢላ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመጽእ፣ ግናኸ ሓይሊ ቕልጽማስ ኣይከተጽንዕን እያ። ንሱን ቅልጽሙን ከኣ ኣይኪቐውምን እዩ። ንሳን እቶም ዜምጽእዋን እቲ ዝወለዳን እቲ በቲ ግዝያት ዝደገፋን ሐሊፎም ኪወሀቡ እዮም።
7 ካብ ሱራ ዝወጸ ውሉዶ ግና ኣብታ ቦታኡ ኺትንስእ እዩ፣ ንሱ ናብ ሰራዊት ኪመጽእ፣ ናብ ዕርዲ ንጉስ ሰሜን ኪኣቱ፣ ከም ዝደለየ ኺገብሮምን ኪስዕሮምን እዩ::
8 ንኣማልኽቶም፣ ምስናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፣ ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑኦም ናብ ግብጺ ኺማርኾም እዩ። ንሓይሎ ዓመታት ከኣ ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግኤ ኪቕመጥ እዩ።
9 ንሱ ድማ ናብ መንግስቱ ንጉስ ደቡብ ኪመጽእ፣ ግናኸ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።
10 ደቁ ኸኣ ንውግእ ኪዳለዉ፣ ኣብዚሖም ዓብዪ ሰራዊት ኪእክቡ እዮም። እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ኺመጽእ፣ ከም ውሒዝ ውሒዙ ኺሐልፍ፣ ኪምለስ ድማ እዩ፣ ክሳዕ ዕርዱውን ኪዋጋእ እዩ።
11 እቲ ንጉስ ደቡብ ከኣ ኪምረር፣ ምስኡ፣ ምስቲ ንጉስ ሰሜን፣ ኪዋጋእ ኢሉውን ኪመጽእ እዩ። ንሱ ብዙሓት ኬኽትት፣ እቶም ብዙሓት ግና ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።
12 ነቶም ብዙሓት ኪወስዶም፣ ልቡ ኸኣ ኪዕበ፣ ኣእላፋትውን ኬውድቕ እዩ። ግናኸ በዝስ ኣይኪብርትዕን እዩ።
13 እቲ ንጉስ ሰሜን ኪምለስ ብዙሕ ሰራዊትን ገንዘብን ሒዙ ኺመጽእ እዩ።
14 በቲ ዘመን እቲ ንንጉስ ደቡብ ብዙሓት ኪትንስእዎ እዮም። ካብ ማእከል ህዝብኻ ዓመጻኛታት ነቲ ራእይ ኪፍጽሙልስ ልዕል ኪብሉ፣ ግናኸ ኪወድቁ እዮም።
15 እቲ ንጉስ ሰሜን ኸኣ ኪሕዛ እዩ። ቀላጽም ደቡብ ኣይኪጸንዕን፣ እቶም ሕሩያት ህዝቡ ኸኣ ንምቅዋም ዚኸውን ሓይሊ የብሎምን።
16 እቲ ዚመጾ ግና ከም ዝደለዮ ኺገብር እዩ፣ ዚቃወሞ ኸኣ ሓደ የልቦን። ንሱ ኣብታ ኽብርቲ ሃገር ኪቐውም፣ ኣብ ኢዱውን ጥፍኣት ኪኸውን እዩ።
17 ምስ ሓይሊ ዅሉ መንግስቱ ኺመጽእ፣ ኪሰማማዕ ኢሉ ኸኣ ገጽ ኪመልስ እዩ። ምእንቲ ኼጥፍኣ፣ ጓል ኣንስተይቲ ኺህቦ እዩ። ንሳ ኣይክትቀውምን፣ ንእኡውን ኣይክትከውንን እያ።
18 ድሕርዚ ገጹ ናብ ደሴታት ኪመልስ፣ ካብኣተን ከኣ ብዙሓት ኪወስድ እዩ። ሓደ መስፍን ግና ነቲ ጸርፉ ኼትርፎ፣ ኤረ ናብ ርእሱ ኺመልሰሉ እዩ።
19 ገጹ ናብ እምባ ሃገሩ ኺመልስ፣ ኪሕንኰልን ኪወድቕን እዩ፣ ኣይኪርከብን ከኣ እዩ።
20 ሽዑ ኣብ ክንዳኡ ሓደ ኻልእ ኪትንስእ ኣብታ ኽብርቲ መንግስቲ ኸኣ ንመጨነቒ ኣሕሊፋ ኺሰዶ እዩ። ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት ግና ኪጠፍእ፣ ብቝጥዓ ኣይኰነን፣ ብዅናትውን ኣይኰነን።
21 ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ክብሪ መንግስቲ ዘይሀብዎ ሓደ ንዑቕ ሰብ ኪትንስእ እዩ፣ ቀስ ኢሉ ኺመጽእ፣ ነታ መንግስቲ ድማ እናቃባጠረ ኺሕዛ እዩ።
22 ብቐላጽም ውሒዝ ካብ ቅድሚኡ ኺድምሰሱን ኪስበሩን እዮም፣ ኤረ እቲ መስፍን ቃል ኪዳን እኳ ኸይተረፈ።
23 ኪዳን ምስኡ ምስ ተኣታተወ ኸኣ፣ ብተንኰል ኪገብር እዩ። ኪወጽእን ብሒደት ጭፍራ ኺስዕርን እዩ።
24 ቀስ ኢሉ ናብተን ልምሉማት ቦታታት እታ ኣውራጃ ኺኣቱ እዩ፣ እቶም ኣቦታቱ፣ ኤረ እቶም ኣቦታት ኣቦታቱ እኳ ከቶ ዘይገብርዎ ኺገብር እዩ። ብዝበዛን ምርኮን ኪህቅነለን እዩ፣ እዚውን ንቕሩብ ጊዜ እዩ።
25 ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ ሓይሉን ትብዓቱን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ኬተንስእ እዩ። ንጉስ ደቡብ ከኣ ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራዊት ሒዙ ንውግእ ኪትንስእ፣ ግናኸ ምኽሪ ኺጣበቡሉ እዮም እሞ፣ ኣይኪቐውምን እዩ።
26 እቶም ኣብ መኣዱ ዚበልዑ ኸኣ ኪጭፍልቕዎ እዮም፣ ሰራዊቱ ኺውሕዝ እዩ፣ ብዙሓትውን ተወጊኦም ኪወድቁ እዮም።
27 ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም እከይ ኪሐስቡ፣ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ተቐሚጦም ከኣ ሓሶት ኪዛረቡ እዮም። ግናኸ መወዳእታኡ ኣብታ ምድብቲ ዘመን እዩ ዚኸውን እሞ፣ ኣይኪሰልጥን እዩ።
28 ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ናብ ሃገሩ ኺምለስ፣ ልቡ ነቲ ቅዱስ ኪዳን ኪህቅነሉ፣ ኪገብር ከኣ እዩ እሞ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።
29 በታ ምድብቲ ዘመን ተመሊሱ ናብ ደቡብ ኪኸይድ፣ ግናኸ እቲ ዳሕራይ ጊዜስ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኪኸውንን እዩ።
30 መራኽብ ካብ ኪቲም ኪመጻኦ እየን እሞ፣ ኪሽበርን ኪምለስን እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ኺዳን ኩዅሪ ኺገብርውን እዩ። ኪምለስ፣ ነቶም ነታ ቅድስቲ ኺዳን ዝሐድግዋ ድማ ኪሰምዖም እዩ።
31 ቀላጽሙ ኣብኡ ኪቘሙ፣ ነታ መቕደስን ነቲ ዕርድን ኬርክሱ: ነቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኺውግዱ፣ ነቲ ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ከኣ ኬቝሙ እዮም።
32 ነቶም ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉስ እናቃባጠረ ኼስሕቶም እዩ፣ እቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ ግና ኪብርትዕን ኪገብርን እዩ።
33 እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኸኣ ንብዙሓት ኪምህሩ እዮም፣ ግናኸ ንቕሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ብምርኮን ብበዝባዝን ኪወድቁ እዮም።
34 ምስ ወደቑ ኸኣ ብቕሩብ ረድኤት ኪርድኡ እዮም፣ ግናኸ ብዙሓት ብግብዝና ኺሐብርዎም እዮም።
35 እዝስ በቲ ምዱብ ጊዜ እዩ ዚኸውን እሞ፣ ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ኪዅልዖምን ኬጽርዮምን ኬጻዕድዎምንሲ፣ ኪወድቁ እዮም።
36 እቲ ምዱብ ነገር ኪፍጸም እዩ እሞ፣ እቲ ንጉስ ከም ፍቓዱ ኪገብርን ርእሱ ኼልዕልን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘበለ ኪዕበን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድማ መስትንክር ኪዛረብ እዩ። እቲ ቝጥዓ ኽሳዕ ዚፍጸምሲ፣ ኪሰልጠሉ እዩ።
37 ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኺዕበ እዩ እምበር፣ ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኣይኬቕልበሉን፣ ነቲ ሃረርታ ኣንስትን ንኣምላኽ ዘበለን ኣይኬቕልበሎምን እዩ።
38 ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኣምላኽ ዕርድታት ኬኽብር፣ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቓሑን ኬኽብሮ እዩ።
39 ነቲ ጽኑዕ ዕርድታት ብጓና ኣምላኽ ተሐጊዙ ኸምዚ ኺገብሮ እዩ፣ ነቶም ዚቕበልዎ ኽብሪ ኼብዝሓሎም፣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኬግዝኦም፣ ከም ዓስቢ ኸኣ ነታ ምድሪ ኪኸፋፍላ እዩ።
40 ኣብ ዘመን መወዳእታ ግና እቲ ንጉስ ደቡብ ኪገጥመሉ እዩ። እቲ ንጉስ ሰሜን ከኣ ብስረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን ከም ህቦብላ ንፋስ ኰይኑ ኺመጾ እዩ፣ ኣብተን ሃገራት ድማ ኪኣቱን ኪውሕዝን ኪሐልፍን እዩ።
41 ናብታ ኽብርቲ ሃገር ከኣ ኪኣቱ እዩ፣ ብዙሓት ሃገር ድማ ኪወድቁ እዮም። ግናኸ ኤዶምን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ዓሞንን ካብ ኢዱ ኼምልጡ እዮም።
42 ኣብ ሃገራት ድማ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ፣ ሃገር ግብጺውን ኣይከተምልጥን እያ።
43 ንሱ ኣብቲ መዛግብ ወርቅን ብሩርን ኣብ ኵሉ እቲ ኽቡር ኣቓሑ ግብጽን ኪስልጥን እዩ፣ ሊብያን ኢትዮጵያን ድማ ኪስዕብዎ እዮም።
44 ግናኸ ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ ኼሸብሮ እዩ እሞ፣ ንብዙሓት ኬጥፍእን ኬጽንትን ኢሉ፣ ብዓብዪ ነድሪ ኺወጽእ እዩ።
45 ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ። ግናኸ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ እዩ፣ ዚረድኦ ኸኣ የብሉን።

1 በቲ ዘመንቲ ሚካኤል፣ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፣ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፣ ኪድሕን እዩ።
2 ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፣ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ሕይወት፣ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም።
3 እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፣ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ እዮም።
4 ንስኻ ግና፣ ኣታ ዳንኤል፣ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላት እዚኤን ዕጸወን፣ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማ። ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፣ ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።
5 ኣነ ዳንኤል ከኣ ጠመትኩ፣ እንሆውን፣ ክልተ ኻልኦት፣ እቲ ሓደ ኣብ ክነጀው ገምገም ርባ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ።
6 ሓዲኦም ከኣ ነቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፣ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ፣ እዚ ዜስተንክር ነገር እዝስ መወዳእታኡ መኣዝ ኪኸውን እዩ∶ ኢሉ ጠየቖ።
7 እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዐለባ እተኸድነ፣ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዕለ እሞ፣ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፣ እቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፣ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ፣ ኢሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕክዎ።
8 ኣነ ድማ ሰማዕኩ፣ ግናኸ ኣየስተውዐልኩን እሞ፣ ጐይታየ፣ መወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ∶ በልኩ።
9 ንሱ ኸኣ በለ፣ ዳንኤል፣ እዚ ቓላት እዚ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ፣ ኪድ ደኣ።
10 ብዙሓት ኪጸርዩ፣ ኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም፣ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር፣ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።
11 ካብቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቘመሉን ዘመን ጀሚሩ፣ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ።
12 እቲ ዚጽበን፣ ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዚበጽሕን ብጹእ እዩ።
13 ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ። ክትዐርፍ፣ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...