ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ አሞጽ (Amos)

መጽሓፍ ኣሞጽ ንብልሽውና ህዝቢ እስራኤል ትጻረሮ እያ፣ ፍርዲ ኣምላኽ ቅድሚ ምቕራቦም ከኣ ካልእ ኣጋጣሚ ትኸፍተሎም እያ። እስራኤል ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ የሆዋ ዝሙትን ሓሶትን እዩ ነይሩ ። ነብዪ ኣሞጽ ብቐንዱ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዚወርዶ ፍርድን መቕጻዕትን ኪእውጅ እዩ ተጸዊዑ ።

ትንቢተ አሞጽ (Amos)

1 ቃላት ኣሞጽ፣ እቲ ኻብ ጓሶት ተቆዓ ዝነበረ፣ ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም፣ ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤልን ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ።
2 በለውን፣ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፣ ካብ የሩሳሌም ከኣ ድምጺ የስምዕ። እቲ ጓሶት ዚጓስዩሉ ይሐዝን፣ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅጽ።
3 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዳ ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደማስቆ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
4 ኣነ ናብ ቤት ሃዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንኣደራሻት ቤን ሃዳድ ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።
5 ንመሃርሃሪ ደማስቆ ኽሰብሮ፣ ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ድማ ካብ ለሰ ኣዌን፣ ነቲ ዘንጊ ዚሕዝ ከኣ ካብ ቤት ኤድን ከጽንቶም እየ፣ ህዝቢ ሶርያውያን ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
6 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ኪህብዎምሲ፣ ንዅሎም ምርኮ ማሪኾምዎም እዮ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ጋዛ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይኪመልስን እየ።
7 ኣነ ናብ ቀጽሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።
8 ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኻብ ኣሽዶድ፣ ነቲ ዘንጊ ዝሕዝ ድማ ካብ ኣስቃሎን ከጽንቶም እየ፣ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዔቅሮን ክመልስ እየ፣ እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኪጠፍኡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ነቶም ምሩኻት ብሙልኣቶም ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም፣ ንኺዳን ኣሕዋት ከኣ ኣይዘከርዎን እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ጢሮስ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
10 ኣነ ናብ ቀጽሪ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።
11 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንሓዉ ብሰይፊ ሰጒጕዎስ፣ ኵሉ ምሕረት ከኣ ዐጽዩ፣ ኵራኡ ድማ ኵሉ ጊዜ ቐዳዲዱ፣ ነድሩውን ንሓዋሩ እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ኤዶም፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
12 ኣነ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሽ ቦጽራ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።
13 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ዶቦም ምእንቲ ኼግፍሑስ፣ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
14 ኣነ ኣብ ቀጽሪ ራባ ሓዊ ኽኣጉድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ማእከል ጭድርታ፣ ብመዓልቲ ህውከት ኣብ ማእከል ህቦብላ ሞዅ ኬብሎ እየ።
15 ንጉሶም ድማ፣ ንሱ ምስ መሳፍንቱ፣ ተማሪኹ ኪኸይድ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

1 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ነዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም፣ ሓመዅስቲ ኽሳዕ ዚኸውን፣ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ሞኣብ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
2 ኣነ ናብ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻት ቅርዮት ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብጭድርታን ብደሃይ መለኸትን ክትመውት እያ።
3 ንፈራዲ ኻብ ማእከላ ኸጽንቶ፣ ንዅሎም መሳፍንታ ኸኣ ክቐትሎም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
4 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንሕጊ እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፣ ንስርዓቱ ኸኣ ኣይሐለዉዎን፣ እቲ ኣቦታቶም ደድሕሪኡ ዝኸድዎ ሓሶቶም ኣስሒትዎም እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ይሁዳ፣ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
5 ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻት የሩሳሌም ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።
6 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ነቲ ጻድቕ ብብሩር፣ ነቲ ድኻ ኸኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን እስራኤል፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
7 ኣብ ርእሲ ድኻታት ተጐጓ ምድሪ ኺርእዩ ይትምነዩ፣ ንመገዲ ትሑታት ይጠውይዎ፣ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኬርክስዎ ድማ፣ ሰብኣይን ኣቡኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኸዱ።
8 ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢታት ነቲ ብታሕዚ እተቕበልዎ ኽዳውንቲ ኣንጺፎም ይድቅሱ፣ ናይ ካሕሳ ወይኒ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኾም ይሰትዩ።
9 ግናኸ ኣነ ነቲ ቝመት ኸም ቍመት ኦም ሊባኖስ፣ ምጽናዑ ድማ ኸም ኣውሒ ዝነበረ ኣሞራዊ ኣብ ቅድሚኦም ኣጥፋእክዎ። ንፍሬኡ ኻብ ላዕሊ፣ ንሰራውሩ ኸኣ ካብ ታሕቲ ኣጥፋእክዎ።
10 ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እየ፣ ሃገር ኣሞራዊ ኽትወርሱ ድማ፣ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት መራሕኩኹም።
11 ካብ ደቅኹም ነብያት፣ ካብ ኣጕባዝኩም ከኣ ናዝራውያን ኣተንሳእኩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ከምኡዶ ኣይኰነን∶ ይብል እግዚኣብሄር።
12 ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስቴኹምዎም፣ ንነብያት ከኣ፣ ኣይትነበዩ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።
13 ከምቲ እንዳእቲ ዝመልኤት ዓረብያ እትስግድ፣ እንሆ፣ ኣነ ኸስግደኩም እየ።
14 ጐያዪ ምህዳም ይስእን፣ እቲ ብርቱዕ ድማ ምብርታዑ ኣየበርትዖን፣ እቲ ጅግና ኸኣ ነፍሱ ኣየድሕንን።
15 ብዓል መንትግ ድማ ደው ኣይብልን፣ ብዓል ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ኣየምልጥን፣ ፈረሰኛውን ነፍሱ ኣየድሕንን።
16 በታ መዓልቲ እቲኣስ ካብቶም ጀጋኑ እቲ ኣዝዩ ተባዕ እኳ ጥራዩ ይሃድም፣ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ነቲ ኣንጻርኩም፣ ኣንጻር እቲ ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎ ዅሉ ዓሌት፣ እዚ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል፣ ስምዑ። ከምዚ ይብል ኣሎ፤
2 ኣነ ካብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም፣ ስለዚ ብሰሪ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ።
3 ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስ፣ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም∶
4 ኣንበሳኸ ግዳይ እንተ ዜብሉዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ∶ ሽደን ኣንበሳስ ገለ ኸይሐዘዶ ኻብ ጕድጓዱ የድሂ እዩ∶
5 ዑፍከ ዜፈንጥራ ኣብ ዜብሉስ ኣብ ምድሪዶ ብመፈንጠራ ትተሐዝ እያ∶ መፈንጠራዶኸ ገለ ኸይሐዘ ኻብ ምድሪ ይለዐል እዩ∶
6 መለኸት ኣብ ከተማ ተነፊሑስ፣ ህዝቢዶ ኣይፈርህን እዩ∶ እግዚኣብሄር ከይገብሮኸ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ∶
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፣ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።
8 ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ∶ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ∶
9 ኣብ ኣዳራሻት እሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከኣ፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተኣከቡ፣ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱ፣ ኢልኩም ኣውጁ።
10 እቶም ኣብ ኣዳራሻቶም ዓመጻን ዘረፋን ዚድልቡ ቕኑዕ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር።
11 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ጸላኢ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ኣሎ፣ ንሱ ንሓይልኺ ኻባኺ የውርድ፣ ኣዳራሻትኪውን ይብዝበዝ፣ ይብል ኣሎ።
12 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ጓሳ ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኽልተ እግሪ ወይስ ሓንቲ ጭራም እዝኒ ኸም ዜድሕን፣ ከምኡ እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ኵርናዕ ዓራትን ኣብ ምንጻፍ ደማስቆን ተቐሚጦም ዘለዉ ደቂ እስራኤል ኪድሕኑ እዮም።
13 ስምዑ፣ ኣንጻር ቤት ያእቆብ ከኣ መስክሩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ሰራዊት።
14 በታ ኣነ ንእስራኤል ብሰሪ ምግሃሱ ዝቐጽዓላ መዓልትስ ንመሰውኢታት ቤት-ኤልውን ክቐጽዖ እየ። እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኪቝረጽን ኣብ ምድሪ ኺወድቕን እዩ።
15 ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዔን እየ፣ እቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሔ ኣባይቲ ኺጠፍእ፣ እቲ ዓበይቲ ኣባይቲውን ኪድምሰስ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

1 ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ እትነብራ ኣሓ ባሳን፣ ንድኻታት እትጠቕዓ ንመስኪን ከኣ እተጨንቓ፣ ንጐይተትክን፣ ኣምጽኡ፣ ንስተ፣ እትብላ፣ እዚ ቓል እዚ ስምዓ፣
2 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብቕድስናኡ መሐለ፣ እንሆ፣ እተን ንስኻትክን ብዓንቃሪቦ፣ እቶም ካባኻን ዝተረፉ ድማ ብመቝለብ ዓሳ እትስሐባለን መዓልትታት ኪመጻኽን እየን።
3 ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ፍሩስትኽ ኢልክን ኣብ ቀቅድሜኽን ክትወጻ፣ ናብ ሃርሞን ከኣ ክትድርበያ ኢኽን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
4 ናብ ቤት-ኤል ንዑ እሞ ኣብሱ፣ ናብ ጊልጋልውን ኣበሳ ኣብዝሑ። ንግሆ መስዋእትኹም፣ ኣብ ሰሳልስቲ ኸኣ ዕሽርኩም ኣቕርቡ።
5 ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ከምዚ ኽትገብሩ ፈቲኹም ኢኹም እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ኻብ ዝበዅዔ ኣቕርቡ፣ ናይ ፍቓድ ህያብ ከኣ ኣውጁ ኣውርዩውን፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
6 ኣነ ድማ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ጽሩይ ስኒ ሀብኩኹም፣ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩም ከኣ እንጌራ ኣስኣንኩኹም፣ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ኣነውን ንዓጺድ ገና ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዋ ኸሎ፣ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፣ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዘነመ፣ እታ ዘይዘነማ ኽፍሊ ሀጐጐት።
8 ክልተ፣ ሰለስተ ኸተማ ድማ ማይ ኪሰትያ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸዳ እሞ ኣይረወያን። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
9 ብሃጕን ብዋግን ወቓዕኩኹም፣ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
10 ኣነ፣ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝዀነ፣ ፌራ ሰደድኩልኩም፣ ነጕባዝኩም ብሰይፊ ቐተልክዎም፣ ነፍራስኩም ማረኽክዎም፣ ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣደየብክዎ፣ ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
11 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዝገልበጠን፣ ገልበጥኩኹም፣ ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንጠለ እያድ ኰንኩም። ግናኸ ንስኻትኩምሲ ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
12 ስለዚ ኣታ እስራኤል፣ ከምዚ ኽገብረካ እየ። እዚ ኽገብረካ እየ እሞ፣ ኣታ እስራኤል፣ ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ።
13 እንሆ፡ እቲ ኣኽራን ዚሰርሕ፡ ንፋስ ከኣ ዚፈጥር፡ ንሰብ ድማ ሓሳቡ እንታይ ከም ዝዀነ ዚገልጸሉ፡ እቲ ንወጋሕታ ጸልማት ዚገብር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪውን ዚረግጽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።

 

1 ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እዚ ኣብ ልዕልኹም ዝቝዝሞ ዘሎኹ ቓል ስምዑ፣
2 እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ፣ ደጊም ኣይትትንስእን፣ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኢላ ኣላ፣ ዜተንስኣ ድማ የልቦን።
3 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እታ ሽሕ ዚወጽዋ ኸተማ ሚእቲ ይተርፍዋ፣ እታ ሚእቲ ዚወጽዋ ኸኣ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ይተርፍዋ ይብል ኣሎ።
4 ስለዚ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ድለዪኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
5 ጊልጋል ብርግጽ ክትማረኽ፣ ቤት-ኤል ድማ ከንቱ ኽትከውን እያ እሞ፣ ንቤት-ኤል ኣይትድለዩ፣ ናብ ጊልጋል ከኣ ኣይትእተዉ፣ ናብ ብኤር-ሸባዕውን ኣይትሕለፉ።
6 ከም ሓዊ ዀይኑ ናብ ቤት ዮሴፍ ህሩጕ ከይብል፣ ኣብ ቤት-ኤል ዜጥፍኦ ተሳኢኑ ኸኣ ሞዅ ከየብሎስ፣ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፣ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም፣
7 ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፣ንጽድቂ ኸኣ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፣
8-9 እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብትን ንኦርዮንን ዝገበረ፣ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልውጦ ንመዓልቲ ኸኣ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፣ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፣ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኸዕዎ፣ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእስ፣ ነቲ ሓያል ብድንገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።
10 ነቲ ኣብ ደገ ዚገንሕ ይጸልእዎ፣ ነቲ ብቕንዕና ዚዛረብ ከኣ ይፍንፍንዎ።
11 ንድኻ ስለ ዝረገጽኩምዎ፣ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ሰርናይ ከኣ ስለ ዘግደፍኩምዎ፣ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩም፣ ኣይከትነብርዎን ከኣ ኢኹም፣ ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፣ወይኑ ድማ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።
12 ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፣ ሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉ፣ ደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ ኣሎኹም።
13 ኽፉእ ዘመን እዩ ኣሞ፣ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዘመን ስቕ ይበል።
14 ብህይወት ክትነብሩስ፣ ሰናይ ድለዩ፣እከይ ኣይኰነን።ከምኡ ኸኣ፣ ከምቲ ዝበልኩምዎ፣እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኺኸውን እዩ።
15 እከይ ጽልኡ፣ ሰናይ ከኣ ኣፍቕሩ፣ ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ፣ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ነቲ ኻብ ዮሴፍ ዝተረፈ ኺርሕርሓሉ እዩ።
16 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ እቲ ጐይታ፣ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ኪቝዘም፣ ኣብ ኵሉ መገድታት ከኣ ዋይዋይ ኪበሀል እዩ ንሓረስታይ ናብ ሓዘን ነቶም መልቀስ ዚኽእሉ ኸኣ ናብ ብኽያት ኪጽውዕዎም እዮም።
17 ብማእከልካ ኽሓልፍ እየ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ብኽያት ኪኸውን እዩ፣ ይብል ኣግዚኣብሄር።
18 ኣቱም ንመዓልቲ ኣግዚኣብሄር እትደልዩ፣ ወይለኹም። መዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፣ ንሳስ ጸልማት እያ፣ ብርሃን ኣይኰነትን።
19 ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዚህድም እሞ ድቢ ዚጓንፎ፣ ከምቲ ናብ ቤት ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዜጽግዕ እሞ ተመን ዚነኽሶ፣
20 መዓልቲ ኣግዚኣብሄር ጸልማትን ብርሃን ዜብላንዶ ኣይኰነትን፣ ድቕድቕ ጸልማትን ምንጽብራቕ ዜብላንዶኸ ኣይኰነትን፣
21 ንበዓላትኩም ጸላእኩን ነዐቕኩን፣ ንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሽትቶን።
22 መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፣ ኣይክቕበሎን እየ፣ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብቲኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቍሊሕ ኣይክብሎን እየ።
23 ደሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕ፣ ቃና መሰንቆታትካ ኸአ ኣይሰምዕን እየ::
24 ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት ፣ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሐዝ።
25 ኣቱም ቤት እስራኤል፣ አርብዓ ዓመት ኣብ በረኻስ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም∶
26 ነቲ ድንኳን ሞሎኽኩምን ንምስልታት ጣኦታትኩምን ነቲ ንርእስኹም ዝገበርኩምዎ ኰዀብ ኣምላኽኩምን ተሰከምኩም።
27 ስለዚ ንኽንየው ደማስቆ ኸማርኽኩም እየ፣ ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚአብሄር።

 

1 እቶም አብ ጽዮን ሀዲኦም፡ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተአሚኖም ዚነብሩ፡ ቤት እስራኤል ከአ ዚኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም።
2 ናብ ካልነ ሕለፉን ጠምቱን፣ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ሃማት ኪዱ፣ ናብታ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከአ ዉረዱ። ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታን አዚኤን ይበልጻ እየን፣ ወይስ ዶበንዶ ኻብ ዶብኩም ይገፍሕ እዩ∶
3 ንስኻትኩም ነታ ሕስምቲ መዓልቲ እተርሕቑ፣ ነታ መንበር ዓመጻ ኸአ እተቕርቡ ኢኹም።
4 ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፣ ኣብ መንጽፎም፣ ድማ ዚጋደሙ፣ ካብ መጓሰ አባጊዕ ጥቦታውቲ፣ ካብ ደምበ አሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፣
5 ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ፣ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ፣
6 ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፣ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልከዩ፣ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጕህዩ እዮም።
7 ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኺማረኹ እዮም፣ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ኪውዳእ እዩ።
8 እግዚአብሄር ኣምላኽ ብርእሱ፣ ይብል እግዝአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ አነ ንትዕቢት ያእቆብ ፈንፈንኩ፣ ኣዳራሻቱ ኸኣ ጸላእኩ፣ ነታ ኸተማውን ምስናይ እቶም አብኣ ዚነብሩ ኵላቶም ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።
9 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እኳ እንተ ተረፉ፣ ኪሞቱ እዮም።
10 ዘመዱ ምስቲ መንደዲ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ ቤት ኼውጽኦስ፣ እንተአልዐሎ ኣሞ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ዘሎ፣ ገናዶ ገለ ሰብ ምሳኻ ኣሎ፣ እንተ በሎ፣ ንሱ ኸአ፣ ሓደ እኳ የልቦን፣ ኢሉ ይመልሰሉ፣ እቲ ድማ ስም እግዚአብሄር ክንሰሚ ኣይግብኣናን እዩ ኣሞ፣ስቕ በል፣ ይብሎ።
11 እንሆ እግዚአብሄር ይእዝዝ ኣሎ ኣሞ፣ ኣታ ዓባይ ቤት ኽትፈርስ፣ እታ ንእሽቶ ቤት ከኣ ክትጭፍለቕስ ኪውቕዓ እየን።
12 ንፍርዲ ናብ መርዚ፣ ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ ዕረ ለዊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፣ አፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ይጎዩ እዮም፣ ወይስ ኣብዑርዶ ኣብአ ይሕረሱ እዮም∶
13 ንስኻትኩም ብኸንቱ ነገር እትሕጎሱ። ብሓድይልናዶ ኣይኰንናን አቕርንቲ ዝወሰድና∶ እትብሉ ዘለዀም፣
14 ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለዚ እንሆ፣ ህዝቢ ኸተንስእልኩም እየ፣ ንሳቶም ከአ ካብቲ መእተዊ ሃማት ኽሳዕ እቲ ውሒዝ ኣርባህ ከጨንቑኹም እዮም፣ ይብል እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።

 

1 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርኣየኒ፣ እንሆ፣ ንሱ ኣብ መጀመርታ እቲ ዳሕራይ ምጥጣዕ ኣንበጣ ፈጠረ። እንሆ ኸኣ፣ እቲ ዳሕራይ ጠጥዒ ድሕሪ ዓጺድ ንጉስ ነበረ።
2 ኰነ ድማ፣ ነቲ ሳዕሪ ምድሪ ብጥራስ ምስ በልዖ፣ ኣነ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፣ ከመይ ጌሩ ኪቐውም እዩ∶ በጃኻ ይቕረ በል፣ በልኩ።
3 እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር፣ እዝስ ኣይከውንን እዩ፣ በለ።
4 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርኣየኒ፣ እንሆ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓዊ ኪቐጽዕስ ጸውዔ፣ ነቲ ዓብዪ ዓሚቝ ሞዅ ኣበሎ፣ ነቲ ግደ ኸኣ በልዖ።
5 ኣነ ድማ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፣ ከመይ ጌሩ ኪቐውም እዩ∶ በጃኻ ሕደግ፣ በልኩ።
6 እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚውን ኣይኪኸውንን እዩ፣ በለ።
7 ንሱ እዚ ኣርኣየኒ፣ እንሆ፣ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ኣብ ልኩዕ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ።
8 እግዚኣብሄር ድማ፣ ኣታ ኣሞጽ፣ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ∶ በለኒ። ኣነ ኸኣ፣ ሓደ መለክዒ መንደቕ በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ፣ እንሆ፣ ኣነ ንመለክዒ መንደቕ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከንብሮ እየ፣ ደጊም ድሕርዚ ኣይኪሐልፎምን እየ።
9 እቲ በረኽቲ ቦታ ይስሃቅ ኪዖኑ፣ እቲ መቓድስ እስራኤል ከኣ ኪፈርስ እዩ፣ ኣነውን ሰይፊ ሒዘ ንቤት የሮብዓም ክትንስኦ እየ፣ በለ።
10-11 ሽዑ ኣማስያ ካህን ቤት-ኤል ናብ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፣ ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ተማሓሒሉልካ ኣሎ። ንሱ፣ የሮብዓም ብሰይፊ ኺመውት፣ እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ኪማረኽ እዩ፣ እዩ እሞ፣ እታ ሃገር ንዅሉ ቓላቱ ምጽዋር ስኢናቶ ኣላ።
12 ኣማስያስ ድማ ንኣሞጽ፣ ኣታ ነብዪ፣ ኪድ፣ ናብ ሃገር ይሁዳ ህደም፣ ኣብኣ ኸኣ እንጌራኻ ብላዕ፣ ኣብኣውን ተነበ፣
13 ቤት-ኤል ግና መቕደስ ንጉስን ቤተ መንግስትን እያ እሞ፣ ደጊም ድሕርዚ ኣብኣ ኣይትነበ፣ በሎ።
14 ኣሞጽ ከኣ ንኣማስያ መለሰሉ በሎውን፣ ኣነስ ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ነበርኩ እምበር፣ ነብዪ ወይስ ወዲ ነብዪ ኣይኰንኩን።
15 መጓሰ ኣባጊዕ ክኽብክብ ከሎኹ፣ እግዚኣብሄር ወሰደኒ፣ ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ፣ በለኒ።
16 እምብኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ፣ ንስኻ፣ ኣንጻር እስራኤል ኣይተነበ፣ ኣንጻር ቤት ይስሃቅውን ኣይተንጠብጥብ፣ ትብል ኣሎኻ።
17 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፣ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል ኣያ፣ ንስኻውን ኣብ ርኽስቲ ሃገር ክትመውት ኢኻ፣ እስራኤል ከኣ ብርግጽ ካብ ሃገሩ ኪማረኽ እዩ።

 

1 ኣምላኽ እዚ ኣርኣየኒ፣ እንሆ፣ኸኣ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር።
2 ንሱ ኸኣ፣ ኣሞጽ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ∶ በለ፣ ኣነ ድማ፣ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር፣ በልኩ። እግዚኣብሄርውን፣ ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጾም፣ ደጊም ድሕርዚ ኣይክሐልፎምን እየ፣ በለኒ።
3 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ መዝሙር ኣዳራሽሲ ብኽያት ይኸውን፣ ሬሳታት ይበዝሑ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ድማ ብስቕታ ይድርበዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
4-6 ኣቱም ኤፋ እናኣንኣስና፣ ሲቃል እናወሰኽና: ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና፣ እኽሊ ኽንሸይጥሲ፣ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኰን ይሐልፍ∶ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፣ ሰንበት መኣዝ ኰን ትሐልፍ∶ ነቲ ድኻ ብብሩር፣ ነቲ መስኪን ከኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሻየጦ፣ ጕርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፣ እትብሉ፣ ንስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፣ ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፣ እዚ ምስ ሰምዑ።
7 እግዚኣብሄር፣ ኣነ ንዅሉ ግብሮም ከቶ ኣይርስዖን እየ፣ ኢሉ ብኽብሪ ያእቆብ መሐለ።
8 እታ ሃገር በዚ ምኽንያት ኣዚዶ ኣይተንቀጥቅጥን∶ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኵላቶምከ ኣይሐዝኑንዶ∶ ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዐል፣ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ በለቕ በለቕ ክትብልን ለጠቕ ክትብልን እያ።
9 በታ መዓልቲ ኣቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ቀትሪ ኸሎ ንጸሓይ ከዕርባ፣ ኣብ ድሙቕ መዓልቲውን ንምድሪ ኸጸልምታ እየ።
10 ንባዕላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፣ ንዅሉ መዛሙርኩም ከኣ ናብ ቍዝማ ኽልውጦ እየ: ኵሉ ጐድኒ ኸሊ ኸም ዚኽደን፣ ኵሉ ርእሲ ድማ ከም ዚላጸ ኽገብር እየ። ከም ሓዘን ብሓደ ውሉድን መወዳእታኡውን ከም መራር መዓልትን ክገብር እየ።
11 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፣ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።
12 ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፣ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ይዅብልሉ፣ ቃል እግዚኣብሄር ኪደልዩስ ናብዝን ናብትን ይጐዩ፣ ኣይረኽብዎን ከኣ።
13 በታ መዓልቲ ኣቲኣ እተን ጽቡቓት ደናግልን እቶም ኣጕባዝን ብጽምኢ የሕለልዉ።
14 እቶም ብሓጢኣት ሰማርያ ዚምሕሉ እሞ፣ ኣታ ዳን፣ ኣምላኽካ ህያው እዩ፣ መገዲ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ህያው እዩ፣ ዚብሉ ይወድቁ፣ መሊሶምውን ኣይትንስኡን።

 

1 እግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ርኤኽዎ፣ በለውን፣ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፣ እቲ ልዳውቲ ኸኣ ይናቓነቕ፣ ኣብ ርእሲ ዅላቶም ሰባብሮ፣ ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ኸኣ ብሰይፊ ክቐትሎም እየ። ካብኦም ሓደ እኳ ኣይኪሀድምን እዩ፣ ካብኦምሲ ሓደ እኳ ኣይኬምልጥን እዩ።
2 ኵዒቶም እኳ ናብ ሲኦል ኣንተ ኣተዉ፣ ካብኡ ኢደይ ከተውጽኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፣ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።
3 ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሐብኡ፣ ኣነ ደልየ ኻብኡ ኸውጽኦም እየ፣ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተሐብኡ፣ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፣ ኪነኽሶም ከኣ እዩ።
4 ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱ እኳ፣ ናብኡ ንሰይፊ ኽእዝዞ እየ፣ ኪቐትሎም ድማ እዩ ንሰናይ ዘኰነስ ንሕሰም ኣዒንተይ ናብኦም ከጠምተን ኣየ።
5 ንምድሪ ዚትንክያ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፣ ንሳ ኸኣ ትመክኽ፣ እቶም ኣባኣ ዚነብሩ ዅላቶም ድማ ኪሐዝኑ እዮም። ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዐል፣ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ ለጠቕ ክትብል እያ።
6 እቲ ኣደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሔ፣ ጠፈሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፣ ንማያት ባሕሪ ዝጽውዕ፣ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኽዕዎ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
7 ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኰንኩምን∶ ይብል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ፣ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶር፣ ንሶርያውያን ከኣ ካብ ደቂ ቂር ኣነዶ ኣይኰንክን ዘውጻእክዎም∶
8 እንሆ፣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን፣ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ከጥፍኣ እየ፣ ግናኸ ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
9 እንሆ፣ ኣነ ኽእዝዝ፣ ንቤት እስራኤል ከኣ ከምቲ ብሚሔ ዚሕሔ ስርናይ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ክንዝንዛ እየ፣ሓንቲ ስርናይውን ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ።
10 እቶም ሕሰም ኣይከርክበናን ኣይኪበጽሓናን ከኣ እዩ፣ ዚብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፊ ኺሞቱ እዮም።
11-12 በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከልዕላ፣ ነቓዓታ ኸኣ ከጣጥእ እየ፣ ነቶም ካብ ኤዶም ዝተረፉን ነቶም ብስመይ እተሰምዩ ዅሎም ህዝብታትን ኪወርሱስ፣ ንዑናኣ ኸልዕሎ፣ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ኸኣ ክሀንጻ እየ፣ ይብል እቲ ነዚ ዚገብር እግዚኣብሄር።
13 እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፣እንሆ፣ እቲ ሓረስታይ ንዓጻዳይ፣ እቲ ጸማቝ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበሉ መዓልታት ኪመጻ እየን። ኣኽራን ከኣ ኵልዒ ወይኒ ኼንጠብጥብ፣ ዅሉ ዅድዅዶታት ድማ ኪመክኽ እዩ።
14 ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኪተኽሉ፣ ወይኒ ኸኣ ኪሰትዩ፣ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፣ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።
15 ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...