ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ሶፎንያስ (Zephaniah)

መጽሓፍ ጸፎንያስ ብተኸታታሊ ራእያት ትምህረና ንእስራኤላውያን ተስፋ ሓዳስ የሩሳሌም ትህቦም ክሳዕ ዚጽበዩ ድማ እሙናት ኰይኖም ኪቕጽሉ ትድርኾም ። ዘካርያስ ኣብቲ ብሕልሚ ዝረኣዮ ተኸታታሊ ራእያት ንእስራኤላውያን ሓድሽ የሩሳሌም ኪህልዋ ኸም ዚደሊ ገለጸሎም ብተኣማንነት ኪጽበዩ ድማ ኣዘኻኸሮም።

ትንቢተ ሶፎንያስ (Zephaniah)

1 እቲ ብዘመን ዮስያስ፣ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፣ ናብ ጸፎንያስ ወዲ ኩሺ፣ ወዲ ግዳልያ፣ ወዲ ኣማርያ፣ ወዲ ህዝቅያስ፣ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ።
2 ኣነ ንብዘሎ ዅሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
3 ኣነ ንሰብን እንስሳን ከጥፍኦም እየ፣ ነዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን ንመዓንቀፊታት ምስናይ እቶም ረሲኣንን ከጥፍኦም እየ፣ ንሰብውን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
4 ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም የሩሳሌም ዚነብሩ ዅላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ፣ ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል፣ ንስም ካህናት ጣኦታት፣ ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ፣
5 ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዚሰግዱን ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚሰግዱን ዚምሕሉን ነቶም ብማልካም ዚምሕሉን፣
6 ነቶም ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቁን ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሐትዎን ከጽንቶም እየ።
7 መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፣ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ፣ ነቶም ዕዱማቱ ኸኣ ቀዲስዎም እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ።
8 ኪኸውን ድማ እዩ፣ በታ መዓልቲ ሕሩድ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ነቶም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን ክቐጽዖም እየ።
9 በታ መዓልቲ፣ እቲኣ ኣነ ነታ ልዳት ዚዘልዋ፣ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመጽን ብጥበራን ዚመልእዋ ዅላቶም ክቐጽዖም እየ።
10 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታ ኻብ ደገ ዓሳ፣ ኣውያት ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ደገ፣ ካብ ኵርባታት ድማ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ።
11 ኵሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ፣ እቶም ብሩር እተሰከሙ ዅላቶም ጸኒቶም እዮም እም፣ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ፣ ብኸዩ።
12 በቲ ዘመን እቲ ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ንየሩሳሌም ብመብራህቲ ኺጕርጕራ እየ፣ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም፣ እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገበር: ክፉእውን ኣይገብር፣ ዚብሉን ሰባት ኪቐጽዖም እየ።
13 ገንዘቦም ኪዝመት፣ ኣባይቶም ኪባድም እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑ፣ ግናኸ ኣይኪነብርዎን፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፣ ወይኑ ግና ኣይኪሰትዩን እዮም።
14 እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር፣ ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ፣ ቀሪባ እያ፣ ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ ኣላ። ሽዑ እቲ ጅግና ኣምሪሩ የእዊ።
15 እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፣ መዓልቲ ጸበባን መከራን፣ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፣ መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ።
16 ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።
17 እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ፣ ከጽብበሎም እየ፣ ከም ዕዉራት ድማ ኪመላለሱ እዮም። ደሞም ከም ሓመድ ኪክዖ እዩ፣ ስጋኦም ከኣ ከም ጐሓፍ።
18 ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ፣ በታ መዕልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ፣ ግናኸ ዅላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ።

1-2 ኣቱም ዘይትሐፍሩ ህዝቢ፣ እቲ ትእዛዝ ከይወለደ፣ እታ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ ከይሐለፈት፣ እቲ ርሱን ቑጥዓ ኣግዚኣብሄር ከይወረደኩም፣ እታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም፣ ተኣከቡ፣ ተኣከቡ።
3 ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ኹላትኩም፣ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ፣ ጽድቂ ድለዩ፣ ትሕትና ድለዩ።
4 እምብኣርሲ ጋዛ ኽትሕደግ፣ ኣስቃሎን ክትባድም፣ኣሽዶድ ብቐትሪ ኽትስጐጕ፣ ዔቕሮን ድማ ክትምንቆስ እያ።
5 ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነብሩ ሰብ፣ ህዝቢ ክረታውያን፣ ወይለኦም። ኣቲ ከንኣን ሃገር ፍልስጥኤማውያን፣ ቃል እግዚኣብሄር ኣንጻርኪ እዩ፣ ሓደ እኳ ኸይነብረክስ ከጥፍኣኪ እየ።
6 እቲ ገምገም ባሕሪ ድማ መጓሰይን ኣግነት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ።
7 እቲ ገምገም ከኣ ነቲ ተረፍ ቤት ይሁዳ ኪኸውን እዩ፣ ኣብኡ ኺጓሰዩ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪበጽሖም፣ ካብ ምርኮ ድማ ኪመልሶም እዩ እሞ፣ ምሸት ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ኪድቅሱ እዮም።
8 ኣነ ነቶም ንህዝበይ ዝጸርፍዎን ኣብ ልዕሊ ዶቦም ርእሶም ዘዕበዩን ጸርፊ ሞኣብን ምብጫው ደቂ ዓሞንን ሰማዕኩ።
9 ስለዚ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ብርግጽ ሞኣብ ከም ሰዶም፣ ደቂ ዓሞን ከኣ ከም ጎሞራ፣ ግዝኣት ቈጥቋጥን ጕድጓድ ጨውን ናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን፣ ኪዀኑ እዮም። ተረፍ ህዝበይ ኪዘምቶም፣ ሓድጊ ህዝበይውን ኪርስተዮም እዩ።
10 ንህዝቢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ጸሪፎምዎን ተዐብዮምሉን እዮም እሞ፣ እዚ ብሰሪ ትዕቢቶም ኪወርዶም እዩ።
11 እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ እሞ፣ ኣባታቶም መሰክሒ ኪኸውን እዩ። ኵሎም ደሴታት ኣህዛብ ከኣ፣ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ቦታኦም ኪሰግዱሉ እዮም።
12 ንስኻትኩም ኢትዮጵያውያን ድማ፣ ብሰይፊ ክትቅተሉ ኢኹም።
13 ኢዱ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኺዝርግሕ እዩ እሞ፣ ንኣሶር ኬጥፍኣ፣ ንነነዌ ድማ ኬባድማን፣ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ኪገብራን እዩ።
14 ኣብ ማእከላ መጓሴታት፣ ኵለን እንስሳ ኣህዛብ፣ ኪሰፍራ እየን፣ ኣምባጉምባሕን ቅንፍዝን ኣብ ልዕሊ ጉልላታ ኺሐድሩ እዮም፣ ኣብ መስኰት ድምጺ ይዝምር፣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኦም ሊባኖስ ኪቕላዕ እዩ እሞ፣ እቲ ልዳውቲ ኺባድም እዩ።
15 እታ ሀዲኣ እትነብርን ብልባ ኸኣ፣ ኣነ እየ፣ ብጀካይ ሓደ እኳ የልቦን፣ እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ። ከመይ ኢላ ባደመት ማሕደር ኣራዊትውን ኰነት፣ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ይፋጽን ኢዱ ይንዝንዝን።

1 እታ ዓላዊትን ርኽስትን፣ እታ ገፋዒት ከተማ ወይለኣ።
2 ምጺ ኣይትሰምዕን፣ ቅጽዓት ኣይትቕበልን፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን፣ ናብ ኣምላኽ ኣይትቐርብን።
3 መሳፍንታ ኣብ ማእከላ ጓዘምቲ ኣናብስ እዮም፣ ፈራዶኣ ንንግሆ ገለ እኳ ዘየትርፉ ተዃሉ ምሸት እዮም።
4 ነብያታ መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም፣ ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ፣ ንሕጊ ዐመጽዎ።
5 እግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፣ንሱ ኣይእብስን፣ ንግሆ ንግሆ ኸየብኰረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፣ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን።
6 ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ፣ ግምብታቶም ዐነወ፣ ንመገድታቶም፣ ሓደ እኳ ኸይሐልፈን፣ ኣባደምክወን፣ ከተማታቶም ሓደ ሰብ ዜብለን፣ ዚነብረለን እኳ ዜብለን ኰይነን ጠፍኣ።
7 ኣነ ኸኣ፣ ኣየ፣ እንተ ትፈርህንስ፣ መቕጻዕቲ ኸኣ እንተ ትቕበልስ፣ በልኩ። ሽዑ ሰፈራ በቲ እተጻባጸብክዋ ዅሉ ኣይምጠፍኤትን፣ ንሳቶም ግና ንግሆ ተንሲኦም ኵሉ ግብሮም ኣባላሸዉ።
8 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትውሓጥሲ፣ ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ከፍስሰሎም፣ ነህዛብ ክእክቦም፣ ንመንግስትታት ከኣ ክኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ፣ ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ።
9 ስለዚ ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ፣ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ።
10 ካብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ እቶም ተማህለልተይ፣ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፣ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም።
11 ሽዑ ኣነ ነቶም ብዅርዓትኪ ባህ ዝብሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፣ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኰርዕን ኢኺ እሞ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይክትሐንክን ኢኺ።
12 ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኺሐድግ እየ፣ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኑ እዮም።
13 ኪጓሰዩን ኪድቅሱን እዮም፣ ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ፣ እቶም ተረፈ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስዉን እዮም፣ ኣብ ኣፎም ከኣ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።
14 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ዘምሪ፣ ኣታ እስራኤል፣ እልል በል፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፣ ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ።
15 እግዚኣብሄ ንፍርድኺ ኣርሐቖ፣ ንጸላኢኺ ሰጐጎ፣ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፣ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን።
16-17 በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌ፣ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂ፣ ኣእዳውኪ ኣይተሐለላ፣ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዚድሕን ጅግና እዩ፣ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ፣ ብፍቕሩ ኺሀድእ፣ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ፣ ኪብልዋ እዮም።
18 ነቶም ብዛዕባ ኣኼባ በዓላት ዚጕህዩ ኽእክቦም እየ፣ ናትኪ እዮም፣ ጾሮም ጸርፊ ነበረ።
19 እንሆ፣ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቍንኺ ዅሎም ክጻረሮም እየ፣ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፣ ነታ እተሰጐት ከኣ ክእክባ፣ ኣብቲ ዝነወርዎ ዅሉ ነገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ።
20 ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም፣ ኣብ ኵላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ፣ በታ ጊዜ እቲኣ ኸእትወኩም፣ በታ ጊዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...