ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ሐጌ (Haggai)

መጽሓፍ ሃጌ ኣስታት 520 ቢ.C እያ ተጻሒፋ ። ፋርሳውያን ንባቢሎን ሰዓርዋ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ን70 ዓመት ኣብ ምርኮ ድሕሪ ምጽናሕ ብ538 ቅ. .C. እዚ ኸኣ ንትንቢት ኢሳይያስን ኤርምያስን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ዜዕግብ እዩ ። እዚ ኸኣ ኣስታት 50,000 ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዘሩባቤል ናብ ምድሪ እስራኤል ንኺምለሱ ኣኽኣሎም ። ዘሩባቤልን ካልኦት ሰባትን ነቲ መሰውኢ ዳግም ሃነጽዎ ብመስዋእትታት ድማ እንደገና ኣምልኾ መስረቱ። ጐረባብቲ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ተቓወምዎ እቲ ዕዮ ድማ ን16 ዓመት ኣቋረጸ ።

ትንቢተ ሐጌ (Haggai)

1 ብኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ብሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፣ ብኢድ ነብዪ ሃጌ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ምስለኔ ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ ሊቀ ኻህናትን መጸ።
2 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እዚ ህዝቢ እዚ፣ እቲ ጊዜ፣ ቤት እግዚኣብሄር እትስርሓሉ ጊዜ፣ ኣይበጽሔን፣ ይብል ኣሎ።
3-4 ግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ∶ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ።
5 እምብኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ።
6 ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ።
7 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡ፣ ይብል ኣሎ።
8 ናብ ኣኽራን ደይቡ፣ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእእ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
9 ንስኻትኩም ብዙሕ ተጸቤኹም፣ እንሆ ኸኣ፣ ሒደት እዩ፣ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኹምዎ ኸኣ፣ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። ስለምንታይ∶ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ነፍሲ ወከፍኩም ናብ በቤትኩም እናጐየኹምሲ፣ ቤተይ ስለ ዝዐነወት እዩ።
10 ስለዚ ሰማያት ብሰርኹም ኣውሊ ኸልከለ፣ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ኸልኤት።
11 ኣነውን ኣብ ልዕሊ ምድርን ኣብ ልዕሊ ኣኽራንን ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕዮ ኣእዳውን ደርቂ ጸዋዕኩ።
12 ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልን እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ኻህናትን እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተረፉ ዅላቶምን ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነብዪ ሃጌን፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ፣ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሁ።
13 ሃጌ ልኡኽ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ንህዝቢ፣ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኢሉ ተዛረቦም።
14-15 እግዚኣብሄር ከኣ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ካህናት ንመንፈስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ብሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ መጹ፣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ከኣ ይሰርሑ ነበሩ።

 

1 ብሳብዐይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ፣
2 እምብኣርስኸ ንዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ምስለኔ ይሁዳን ንእያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፣
3 ነዛ ቤት እዚኣ በቲ ቐዳማይ ክብራ ዝረኣያ ኻባኻትኩም መን እዩ∶ ሕጂኸ ኸመይ ኰይና ትርእይዋ ኣሎኹም∶ ኣብ ኣዓንትኹምሲ ኸም ዘየላዶ ኣይኰነትን∶
4 ሕጂ ኸኣ፣ ዎ ዘሩባቤል፣ ጽናዕ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ኻህናት፣ ድማ ጽናዕ፣ ኵልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፣ ዕየዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5 ከምቲ ኻብ ግብጺ ኽትወጹ ከሎኹም ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ቓል ኪዳነይ፣ መንፈሰይ ኣብ ማእከልኩም ይነብር ኣሎ፣ ኣይትፍርሁ።
6 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኸምዚ ይብል ኣሎ፣ ገና ሓደ ጊዜ፣ ብሓጺር ጊዜ ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ።
7 ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ፣ ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
8 ብሩር ናተይ እዩ፣ ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
9 ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኪበልጽ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10 ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፣ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ ብኢድ ነብዪ ሃጌ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ፣
11-12 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት፣ ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ እተቐደሰ ስጋ እንተ ቘጸረ፣ በዛ ዘፈሩ ኸኣ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይስ ዝዀነ ይኹን ምግቢ እንተ ተንከየስ፣ እዚኤንዶ ይቕደሳ እየን∶ ኢልካ ሕተቶም። እቶም ካህናት ድማ፣ ኣይፋለንን፣ ኢሎም መለስሉ።
13 ሽዑ ሃጌ፣ ብሬሳ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣተን ገለ እንተ ተንከየስ ትረክስዶ እያ፣ በሎም። እቶም ካህናት ከኣ፣ እወ፣ ትረክስ እያ፣ ኢሎም መለስሉ።
14 ሃጌ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፣ እዚ ዓሌት እዚ ኸምኡ እዩ፣ ኣብ ቅድመይ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኵሉ ዕዮ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፣ እቲ ኣብኡ ዜቕርቡለይ ድማ ርኹስ እዩ።
15 ሕጂ ኸኣ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸይተነብረ ዀታ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኽሳዕ ቀደም ዝዀነ ሕሰቡ።
16 ብዅሉ እቲ ዘመን እቲ ናብ ዕስራ መስፈር ዘለዎ ምህርቲ እንተ መጸ፣ ዓሰርተ ጥራይ ኰነ። ሓምሳ መፈስር ኪቐድሕ፣ ናብ መጽመቝ እንተ መጸ፣ ዕስራ ጥራይ ኰነ።
17 ንዅሉ ዕዮ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብዋግን ብበረድን ወቓዕክዎ፣ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር
18 ሕሰቡ ዀታ፣ ካብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኽሳዕ ቀደም ዝዀነ፣ ካብታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ፣ ካብታ መቕደስ እግዚኣብሄር እተሰርረትላ መዓልቲ፣ ሕሰቡ።
19 እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ∶ ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውልዕን ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ኽባርክ እየ።
20 ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ሳዕ ናብ ሃጌ መጸ፣
21-22 ንዘሩባቤል ምስለኔ ይሁዳ፣ ኣነ ሰማይን ምድርን ከነቓንቕ እየ፣ ዝፋን መንግስታት ክገላብጥ፣ ሓይሊ መንግስትታት ኣህዛብ ከጥፍእ፣ ሰረገላታትን ኣብኤን ዚቕመጡን ክገላብጥ እየ፣ ኣፍራስን ዚውጥሕዎምን ከኣ ነፍሲ ወከፎም ብሰይፊ ሓዉ ኺወድቕ እዩ፣ ኢልካ ንገሮ።
23 በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ዎ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ባርያይ፣ ኣነ ኽወስደካ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኣነ ሐርየካ እየ እሞ፣ ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...