ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ትንቢተ ዘካርያስ (Zechariah)

መጽሓፍ ዘካርያስ ብዛዕባ እቲ ያህወህ ንየሩሳሌም ዝነበሮ ሓልዮትን ብዛዕባ እቲ ያህወህ ንየሩሳሌም ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝነበሮ ዕላማን እያ እትገልጽ።” ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ህዝቡ ኺዳን ኪተኣታቶ ኸም ዚናፍቕ ጌርካ እዩ ዚርአ ። ንዘለኣለም ኣምላኽ ጸጋን ፍቕርን ይቕረታን ከም ዚኸውን ይሰማምዓሉ እዩ ።

ትንቢተ ዘካርያስ (Zechariah)

1 ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፣ በታ ሳምነይቲ ወርሒ ናብ ነብዪ ዘካርያስ ወዲ በረክያ፣ ወዲ ዒዶ፣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ፣
2 እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም ኣዝዩ ዀረየ።
3 እምብኣርሲ ንስኻ፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኣነ ኸኣ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኢልካ ንገሮም።
4 ከም ኣቦታትኩም ኣይትኹኑ፣ንኣታቶም እቶም ቀዳሞት ነብያት፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እኩይ ግብርኹምን ተመለሱ፣ ይብል ኣሎ ኢሎም ነገርዎም፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፣ ናባይ ከኣ ጽን ኣይበሉን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
5 ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ∶ ነብያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም∶
6 ግናኸ ንባሮተይ ነብያት ዝአዘዝክዎም ቃላተይን ሕጋጋታይን ነቦታትኩምዶ ኣየርክቦምን እዩ∶ ንሳቶም ከኣ ተመልሱ እሞ፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምቲ ብመጠን መገድናን ግብርናን ኪገብረና ኢሉ ዝሐሰቦ፣ ከምኡ ገበረና፣ በሉ።
7 ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፣ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ በታ ሸባጥ እትበሀል መበል ዓሰርትወ ሓደ ወርሒ፣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ዘካርያስ፣ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ፣ መጸ፣
8 ብለይቲ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሔ ሰብኣይ፣ ንሱ ድማ ኣብቲ ትሕት ዝበለ ቦታ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ጠጠው በለ፣ ድሕሪኡውን ሓመራትን ጥርኝን ኣምባላያትን ኣፍራስ ነበሩ።
9 ሽዑ ኣነ፣ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም∶ በልኩ። እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፣ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑ ኸርእየካ እየ፣ በለኒ።
10 እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ፣ እዚኣቶምሲ እቶም እግዚኣብሄር ንምድሪ ኺዘርዋ ዝሰደዶም እዮም፣ ኢሉ መለሰ።
11 ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ዝበለ መልኣኽ እግዚኣብሄር፣ ንሕና ንምድሪ ዞርናያ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኵላ ምድሪ ስቕ ኢላ ዐሪፋ ኣላ፣ ኢሎም መለሱሉ።
12 ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፣ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ነዘን በተን ሰብዓ ዓመት እተቘጣዕካየን የሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን∶ ኢሉ መለሰ።
13 እግዚኣብሄር ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ብጽቡቕ ቃላትን ብዜጸናንዕ ቃላትን መለሰሉ።
14-15 እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ፣ ኣነ ብየሩሳሌምን ብጽዮንን ዓብዪ ቕንኣት ቀኒኤ ኣሎኹ፣ ቅሩብውን ኰርየ ነበርኩ፣ ንሳቶም ግና ንሕሰም ሐጊዞም እዮም እሞ፣ ነቶም ሀዲኦም ዘለዉ ኣህዛብ ኣዝየ ዀርየሎም ኣሎኹ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ኣውጅ፣ በለኒ።
16 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ብምሕረት ናብ የሩሳሌም እምለስ ኣሎኹ፣ ይብል ኣሎ፣ ቤተይ ኣብኣ ኽትስራሕ እያ፣ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ኺዝርጋሕ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
17 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ከተማታተይ ገና ብሰናይ ኪረውያ እየን፣ እግዚኣብሄር ከኣ ንጽዮን ገና ኼጸናንዓ እዩ፣ ንየሩሳሌም ድማ ገና ኺሐርያ እዩ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ኣውጅ።
18 ዓይነይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣርባዕተ ቐርኒ ርኤኹ።
19 ኣነ ድማ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፣ እዚኣቶም እንታይ እዮም∶ በልክዎ። ንሱውን እዚኣቶም እቶም ንይሁዳን እስራኤልን የሩሳሌምን ፋሕ ዘበልዎም ኣቕርንቲ እዮም፣ ኢሉ መለሰለይ።
20 እግዚኣብሄር ከኣ ኣርባዕተ ሰራሕቲ ሓጺን ኣርኣየኒ።
21 ሽዑ ኣነ፣ እዚኣቶም እንታይ ኪገብሩ መጹ∶ በልኩ። ንሱ ኸኣ፣ ንይሁዳ ፋሕ ዘበሉ ኣቕርንቲ እዮም፣ እዚኣቶም ግና ኬፍርህዎም፣ ነቕርንቲ እቶም ንሃገር ይሁዳ ፋሕ ኬብሉ ኢሎም ቀርኖም ዘልዐሉ ኣህዛብ ከኣ ኬወድቁ ዝመጹ እዮም፣ ኢሉ በለኒ።

 

1 ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ።
2 ኣነ ኸኣ፣ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘሎኻ∶ በልኩ። ንሱውን፣ ንየሩሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝዀነ ኽርእስ፣ ክልክዓ እየ፣ በለኒ።
3 እንሆ ኸኣ፣ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፣ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪጓነፎ ወጸ።
4-5 ንሱ ኸኣ፣ ጉየ፣ ነዚ ጐበዝ እዚ፣ የሩሳሌም፣ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፣ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፣ እግዚኣብሄርውን፣ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፣ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፣ በሎ።
6 እግዚኣብሄር፣ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት በቲነኩም እየ፣ ይብል ኣሎ እሞ፣ ተንስኡ፣ ተንስኡ፣ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ጽዮን፣ ኣምልጢ።
8 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፣ መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ እሞ፣ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመቱኹም ኣህዛብ ለኣኸኒ።
9 እንሆ፣ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ኪዀንዎም እዮም፣ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።
10 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ እንሆ፣ እመጽእ ኣሎኹ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክነብር እየ እሞ፣ እልል በሊ ተሐጐሲውን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩ፣ ህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፣ ንስኺውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
12 እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኺርስተያ፣ ንየሩሳሌም ከኣ ገና ኺሐርያ እዩ።
13 እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል።

 

1 እያሱ ሊቀ ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፣ ሰይጣን ከኣ ኪጻረሮ ኣብ የማኑ ቘይሙ ነበረ።
2 እግዚኣብሄር ንሰይጣን፣ ኣታ ሰይጣን እግዚኣብሄር ይግናሕካ፣ እቲ ንየሩሳሌም ዝሐረያ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፣ እዝስ ካብ ሓዊ እተመንጠለ እያድዶ ኣይኰነን∶ በሎ።
3 እያሱ ኸኣ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ።
4 እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ዝነበሩ፣ ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣልዕልዎ፣ ኢሉ መለሰሎም። ንእኡ ኸኣ፣ ርኤ፣ ኣበሳኻ ኣውጻእኩልካ፣ ብሉጽ ክዳውንቲውን ከደንኩኻ፣ በሎ።
5 ኣነ ኸኣ፣ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጥሙሉ፣ በልኩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጠሙሉ፣ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ።
6 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መስከረሉ፣
7 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ብመገደይ እንተ ተመላለስካ፣ ነቲ ዝአዘዝኩኻውን እንተ ሐሎኻስ፣ ንቤተይ ክትፈርዳ፣ ንኣጸደይ ከኣ ክትሕልዎ ኢኻ፣ ምስ እዞም ኣብዚ ቘይሞም ዘለዉ ቦታ ኽህበካ እየ።
8 እምብኣርሲ ኣታ ኣያሱ ሊቀ ኻህናት፣ ንስኻን እቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለዉ ብጾትካን፣ ንሳቶም ንትእምርቲ ዚዀኑ ሰባት ኣዮም እሞ፣ ስማዕ፣ ኣንሆ፣ ኣነ ነቲ ባርያይ፣ እቲ ጨንፈር፣ ከምጽኦ ኣየ።
9 ስለዚ ኣታ ኣብ ቅድሚ እያሱ ዘንበርክዋ እምኒ እንሃ፣ ኣብ ሓንቲ እምንስ ሾብዓተ ዓይኒ ኣለዋ፣ እንሆ ኸኣ፣ ቅርጻ ክቐርጾ እየ፣ ንኣበሳ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቖ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ወይንን ኦም በለስን ንሓድሕዶም ክትተዐዳደሙ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

1 እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ተመሊሱ፣ ከምቲ ሰብ ካብ ድቃሱ ዚበራበር፣ ኣበራበረኒ፣
2 እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፣ ድማ በለኒ። ኣነ ኸኣ በልኩ፣ እንሆ፣ ሓደ ቐዋሚ ቐንዴል ኵለንትናኡ ወርቂ፣ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቱን ኣብኡውን ሾብዓተ መብራህቱ ንዘለዎ እርኢ ኣሎኹ። ነተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከኣ ሾብዓተ ሻምብቆ ኣለወን።
3 ኣብ ጥቓኡ ድማ ክልተ ኣውልዕ ኣለዋ፣ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፣ እታ ሓንቲውን ኣብ ጸጋሙ እየን።
4 ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፣ ጐይታየ፣ እዚኣተንሲ እንታይ እየን∶ ኢለ መለስኩሉ።
5 እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፣ እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ∶ ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ፣ ጐይታየ፣ ኣይፋለይ፣ በልኩ።
6-7 ሽዑ ንሱ መሊሱ፣ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፣ ብመንፈሰይ እምበር፣ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐያታ ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን፣ መን ኢኻ∶ ኣብ ቅድም ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ፣ ጸጋ ንእኡ፣ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፣ ኢሉ ነገረኒ።
8 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
9 ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣእዳው ዘሩባቤል ሰረታኦ፣ ኣእዳዉ ኸኣ ኪፍጽምኣ እየን። ንስኻ ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጥ ኢኻ።
10 ንመዓልቲ ናኣሽቱ ነገር ዚንዕቕ መን እዩ∶ እዘን ሾብዓተ ንዅላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ ተሐጒሰን ኪርእያኣ እየን።
11 ኣነ ኸኣ፣ እዘን ብየማነ ጸጋም እዚ ቐዋሚ ቐንዴል ዘለዋ ኽልተ ኣውሊዕሲ እንታይ እየን∶ ኢለ መለስኩሉ።
12 ካልኣይ ጊዜውን፣ እዞም ኣብ ጥቓ እቲ ወርቂ ዚውሕዞ መውሓዝ ወርቂ ዘለዉ ኽልተ ጨንፈር ኣውሊዕከ እንታይ እዮም∶ ኢለ መለስኩሉ።
13 ንሱ ኸኣ፣ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ∶ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፣ ጐይታየ፣ ኣይፋለይ፣ በልኩ።
14 ሽዑ ንሱ፣ እዚኣቶምሲ እቶም ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዚቘሙ ደቂ ዘይቲ እዮም፣ በለ።

 

1 ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትነፍር ከላ ርኤኹ።
2 ንሱ ኸኣ፣ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ∶ በለኒ። ኣነውን፣ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ እርኢ ኣሎኹ፣ ምንዋሓ ዕስራ እመት፣ ወርዳ ድማ ዓሰርተ እመት እዩ፣ ኢለ መለስኩ።
3 ንሱ ኸኣ በለኒ፣ ዚሰርቕ ዘበለ ዅሉ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሓደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኺድምሰስ፣ ብሓሶት ዚምሕል ዘበለ ዅሉ ኸኣ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሓደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኺድምሰስ እዩ እሞ፣ እዚ እቲ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ ዚወጽእ መርገም እዩ።
4 ኣነ ኸውጽኦ እየ፣ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን ናብ ቤት እቲ ብስመይ ሐስዩ ዚምሕልን ኪአቱ እዩ፣ ኣብ ማእከል ቤት ኺነብር፣ ምስናይ ዕጨይታን እምናን ከኣ ኬጥፍኣ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5 እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ወጸ፣ ኣዒንትካ ኣልዕል እሞ እዚ ዚወጽእ ዘሎ እንታይ ከም ዝዀነ ርኤ፣ በለኒ።
6 ኣነ ከኣ፣ እዚ እንታይ እዩ∶ በልኩ ንሱ ድማ እቲ ዚወጽእ ኤፋ እዩ፣ በለ። ኣብ ኵላ ምድሪ እዚ እዩ መልክዖም፣ ከኣ በለ።
7 እንሆ ድማ፣ ሓደ መክሊት ዓረር ኣልዐሉ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኤፋውን ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።
8 ንሱ ኸኣ፣ እዚኣ ረሲእነት እያ፣ በለ፣ ናብ ማእከል እቲ ኤፋ ድማ ደርበያ፣ ነቲ መክሊት ዓረርውን ናብ ኣፍ እቲ ኤፋ ደርበዮ።
9 ኣዒንተይ ኣልዐልኩ ርኤኹውን፣ እንሆ ድማ፣ ክልተ ኣንስቲ ወጻ፣ ኣብ ኣኽናፈን ከኣ ንፋስ ነበረ፣ ከም ኣኽናፍ ራዛ ዚመስል ኣኽናፍ ከኣ ነበረን፣ ንሳተን ነቲ ኤፋ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ኣልዐላኦ።
10 ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፣ ነዚ ኤፋ ናበይ እየን ዚወስዳኦ ዘለዋ∶ በልክዎ።
11 ንሱ ኸኣ፣ ቤት ኪሰርሓሉስ ኣብ ሃገር ሲንኣር እየን፣ ምስ ተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኺነብር እዩ፣ በለኒ።

 

1 ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ድማ፣ ኣርባዕተ ሰረገላ ኻብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኪወጻ ኸለዋ ርኤኹ፣ እቲ ኣኽራንውን ኣኽራን ኣስራዚ ነበረ።
2 ኣብታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ሓመራት ኣፍራስ፣ ኣብታ ኻልኣይቲ ሰረገላ ኸኣ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።
3 ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምባላያት ኣፍራስ፣ ኣብታ ራብዐይቲ ሰረገላ ድማ ጫጎታት ብርቱዓት ኣፍራስ ነበሩ።
4 ኣነ ኸኣ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፣ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም∶ ኢለ መለስኩሉ።
5 እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፣ እዚኣቶም እቶም ኣብ ቅድሚ ዅላ ምድሪ ቘይሞም ዚወጹ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም፣
6 እታ መጋላት ኣፍራስ ዘለውዋ ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢላ ትወጽእ፣ እቶም ኣምበሌታት ኣፍራስ ከኣ ደድሕሪኦም ይወጹ፣ እቶም ጫጎታት ኣፍራስ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢሎም ይወጹ።
7 እቶም ሓመራት ከኣ ወጹ፣ ንምድሪ ኺመላለስዋ ድማ ደለዩ። ንሱውን፣ ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋ፣ በለ። ንሳቶም ከኣ ንምድሪ ተመላለስዋ።
8 ሽዑ ንሱ ጸውዓኒ እሞ፣ እንሆ፣ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢሎም ዝወጹ፣ ኣብ ሃገር ሰሜን መንፈሰይ ኣህድኡ፣ ኢሉ ተዛረበኒ።
9 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
10 ካብቶም ምሩኻት ካብ ሔልዳይ፣ ካብ ጦብያ፣ ካብ የዳዕያ፣ ናብታ ንሳቶም ካብ ባቢሎን መጺኦም ዝአተውዋ ቤት ዮስያስ ወዲ ጸፎንያስ ሎሚ እቶ፣
11 ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ኣኽሊላት ስራሕ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ሊቀ ኻህናት እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ ድማ ድፍኣሉ።
12 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ተዛረቦ፣ እቲ ጨንፈር ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ፣ ንሱ ኻብ ቦታኡ ኺጭንፍር፣ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኪሀንጽ እዩ።
13 ንሱ መቕደስ እግዚኣብሄር ኪሀንጽ፣ ክብሪ ኸኣ ኪጸውር፣ ኣብ ዝፋኑ ድማ ኪቕመጥን ኪገዝእን እዩ፣ ኣብ ዝፋኑ ኻህን ኪኸውን፣ ኣብ መንጎ ኽልቲኦምውን ምኽሪ ሰላም ኪኸውን እዩ።
14 እቲ ኣኽሊላት ከኣ ንሄላምን ንጦብያን ንየዳዕያን ንሄን ወዲ ጸፎንያስን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ኪዀኖም እዩ።
15 እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኺመጹ፣ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከኣ ኪሰርሑ እዮም፣ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ሰማዕኩም፣ እዚ ኪኸውን እዩ።

1 ኰነ ኸኣ፣ ብራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ብራብዐይቲ መዓልቲ ናይታ ከስለው እትበሀል ታስዐይቲ ወርሒ፣ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መጸ።
2-3 ቤት-ኤል ከኣ ንሻሬጽርን ንሬገም-ሜልክን ምስ ሰቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪምህለሉን፣ ነቶም ካህናት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን ንነብያትን ከኣ፣ ከምቲ በተን ብዙሓት ዓመታት ዝገበርክዎዶ፣ በታ ሓምሰይቲ ወርሒ ተፈልየ ኽበኪ እየ ኢሎም∶ ኪነግርዎምን ለኣኽዎም።
4 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ፣
5 ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፣ በተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፣ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ∶
6 ምስ እትበልዑን ምስ እትሰትዩንከ ንርእስኹምዶ ኣይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን∶
7 የሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወንን ሀድኤንን ከለዋ፣ ደቡብን ጐልጐልን ድማ ሰብ ሰፊርወን ከለዋ፣ እግዚኣብሄር ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝአወጆ ቓልሲ እዚዶ ኣይኰነን∶
8 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ንዘካርያስ መጾ፣
9 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።
10 ንመበለትን ንዘኽታምን ንድኻን ኣይትግፍዑ፣ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ።
11 ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፣ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱ፣ ከይሰምዑውን ኣእዛኖም ኣጽመሙ።
12 ነቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝሰደዶ ሕግን ቃላትን ከይሰምዑስ፣ ልቦም ከም ኣልማዝ ገበሩ፣ ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዓብዪ ቝጥዓ ዀነ።
13 ኰነ ድማ፣ ከምቲ ንሱ ዝጸውዔ፣ ንሳቶም ከኣ ዘይሰምዑ፣ ከምኡውን ንሳቶም ጸውዑ፣ ኣነ ኸኣ ኣይሰማዕኩን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
14 ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ዘበሉ ዅሎም ኣህዛብ በተንክዎም፣ እታ ሃገር ከኣ ሓደ እኳ ዘይሐልፋን ዘይምለሳን ኰይና ብድሕሪኦም ባደመት፣ ነታ ሃገር ደስታውን ኣባደምዋ::

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸ፣
2 ኣነ ብጽዮን ዓብዪ ቕንኢ ቐኒኤ ኣሎኹ፣ ብዓብዪ ቝጥዓውን ቀኒኤላ ኣሎኹ፣ ይብል እዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
3 ኣነ ናብ ጽዮን፣ ክምለስ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ። የሩሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ፣ እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ቅዱስ ከረን ክስመ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
4-5 ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፣ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
6 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በተን መዓልትታት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ እንተ ዀነስ፣ ነዒንተይዶ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ∶ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
7-8 እንሆ፣ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም እየ እሞ፣ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ኪነብሩ እዮም፣ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ ኸኣ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
9 ኣቱም በዘን መዓልታት እዚኣተን፣ እቶም ቤት መቕደስ ምእንቲ ኽትህነጽሲ መሰረት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ ኣብኣ ዚነበሩ ነብያት እተዛረብዎ፣ ካብ ኣፎም እዘን ቃላት እዚኤን እትሰምዑ ዘሎኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10 ቅድሚ እዘን መዓልታት እዚኣተን ውዕለት ሰብን ውዕለት እንስሳን ኣይነበረን። ንዅሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈንየዮ እየ እሞ፣ ብሰሪ ጸላኢ ነቲ ዚወጽእን ዚኣቱን ሰላም ኣይነበረን።
11-12 ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ፣ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፣ ምድሪ ኸኣ ብቝላ ኽትህብ፣ ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ፣ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ዅሉ ኸረስትዮም እየ፣ ሕጅስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክዀኖምን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
13 ኪኸውን ድማ እዩ፣ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን፣ ከምዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ መርገም ዝዀንኩም፣ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፣ በረኽትውን ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣይትፍርሁ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ።
14-15 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ክገብረኩም ዝሐሰብክዎ እሞ ዘይተጠዐስኩሉ፣ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሐሲበ ኣሎኹ፣ ኣይትፍርሁ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
16 እቲ ኽትገብርዎ ዝግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ፣ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።
17 ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ፣ ማሕላ ሓሶት ኣይትፍትዉ፣ ነዚ ዅሉ እጸልኦ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ፣
19 እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ሓምሳይን እቲ ጾም ናይ ሳብዓይን እቲ ጾም ናይ ዓስራይ ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጐስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪዀነሎም እዩ፣ እምብኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
20 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ህዝብታትን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዚነብሩን ገና ኪመጹ እዮም።
21 ኣብታ ሓንቲ ዚነብሩ ናብታ ኻልእ ኪኸዱ እዮም እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንምህለልሲ፣ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ክንደሊ ንኺድ፣ ኣነውን ክኸይድ እየ፣ ኪብሉ እዮም።
22 ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኪምህለሉስ ኪመጹ እዮም።
23 በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፣ እግዚኣብሄር ምስኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፣ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፣ ኪብሉ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

1-2 ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሎም ሰብን ናብ ኵሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፣ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዐርፉ፣ ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከኣ ይዐርፍ።
3 ጢሮስ ዕርዳ ዐረደት፣ ብሩር ከም ሓመድ፣ ወርቂ ድማ ከም ጸብሪ መገዲ ደለበት።
4 እንሆ፣ እግዚኣብሄር ኪሕዛ፣ ስልጣና ኸኣ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፣ ብሓዊ ድማ ሞዅ ክትብል እያ።
5 ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፣ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቘሪጹ እዩ እሞ፣ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ እዩ፣ ኣስቃሎን ከኣ ዚነብራ ኽትስእን እያ።
6 ኣብ ኣሽዶድ ድቓላ ኺነብር እዩ፣ ኣነ ድማ ንትዕቢት ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ።
7 ደሙ ኸኣ ካብ ኣፉ፣ ጽያፉ ድማ ካብ መንጎ ኣስናኑ ኸውጽኣሉ እየ፣ ንሱውን ንኣምላኽና ተረፍ ኪዀኖ፣ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከም ሓለቓ ኪኸውን እዩ፣ ዔቅሮን ድማ ከም ይቡሳዊ።
8 ካብ ሰራዊት፣ ካብቲ ዚኸይድን ዚመጽእን ክከላኸለላስ፣ ኣብ ዙርያ ቤተይ ክሰፍር እየ፣ ሕጂ በዒንተይ ርእየያ እየ እሞ፣ ድሕርዚ ጨቋኒ ከቶ ኣይኪሐልፎምን እዩ።
9 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ኣዚኺ ተሐጐሲ፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፣ እልል በሊ፣ እንሆ ንጉስኪ፣ ንሱ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ፣ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።
10 ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፣ ፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከጥፍእ እየ፣ ቀስቲ ውግእ ኪጠፍእ እዩ። ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብቲ ርባ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ።
11 ንኣኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ ነቶም እሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዜብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ።
12 ኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፣ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፣ ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ፣ ሎሚውን እነግረኪ ኣሎኹ።
13 ንርእሰይ ኢለ ንይሁዳ ኸም ቀስቲ ገተርክዎ፣ ብኤፍሬም ድማ መላእክዎ። ኣቲ ጽዮን፣ ንደቅኺ፣ ኣብ ልዕሊ ደቅኺ፣ ዎ ዮናኒ፣ ከተንስኦም፣ ንኣኺ ድማ ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ።
14 እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ኪርኤ እዩ፣ ፍላጻኡ ኸኣ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽውን መለኸት ኪነፍሕ፣ ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ድማ ኪኸይድ እዩ።
15 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኬዕቍቦም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኪውሕጡ፣ እምኒ ወንጭፍ ከኣ ኪረግጹ እዮም፣ ኪሰትዩ፣ ብወይኒ ኸም ዝሰኸሩ ጫውጫው ኪብሉ፣ ከም ዋንጫ፣ ከም ኵርናዕ መሰውኢ ኺመልኡ እዮም።
16 ከምቲ ኣብ ምድሩ ዜንጸባርቕ ኣእማን ኣኽሊል እዮም እሞ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኼድሕኖም እዩ።
17 ሰናዩ ኽንደይ ዓብዪ፣ ጽባቔኡስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እኽሊ ነጕባዝ፣ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ነዋልድ ኬዕብዮም እዩ።

 

1 ብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፣ እቲ መባርቕ ዚገብር እግዚኣብሄር ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ኬዝንመሉ እዩ።
2 እቶም ጣኦታት ቤት ከንቱ ይዛረቡ፣ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ሓሶት ይርእዩ፣ ሕልሚ ሓሶት ይነግሩ፣ ብኸንቱውን የጸናንዑ። ስለዚ ኸም ኣባጊዕ ተባረሩ፣ ጓሳ የብሎምን እሞ፣ ተጨነቑ።
3 ኵራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ነደደ፣ ኣነውን ነቶም ድቤላታት ክቐጽዖም እየ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንመጓሴኡ ቤት ይሁዳ ዘኪርዎ እዩ እሞ፣ ኣብ ውግእ ከም ፈረስ ክብሩ ኽገብሮም እዩ።
4 እቲ እምኒ ዅርናዕ ካብኡ፣ መትከል ካብኡ፣ ቀስቲ ውግእ ካብኡ፣ ኵሎም ጨቈንቲ ኻብኡ ኺወጹ እዮም።
5 ኣብ ውግእ ከምቶም ንጸላእቶም ኣብ ጭቃ መገዲ ዚረግጹ ጀጋኑ ኪዀኑ፣ እግዚኣብሄር ምስኦም እዩ እሞ፣ ኪዋጋኡ እዮም፣ እቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ኸኣ ኪሐንኩ እዮም።
6 ኣነ ኸኣ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዓ፣ ንቤት ዮሴፍ ድማ ከድሕና እየ። ራሕሪሔሎም እየ እሞ፣ ክመልሶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ፣ ክሰምዖም ከኣ እየ እሞ፣ ከም ዘይወገድክዎምውን ኪዀኑ እዮም።
7 ኤፍሬም ከም ጅግና ኪዀኑ እዮም፣ ልቦም ድማ ከም ብወይኒ ኺሕጐስ እዩ፣ ደቈም ከኣ ኪርእይዎን ኪሕጐሱን እዮም፣ ልቦም ብእግዚኣብሄር እልል ኪብል እዩ።
8 ኣነ ተበጅየዮም እየ እሞ፣ ከፋጽየሎምን ክእክቦምን እየ፣ በዚሖም ከም ዝነበሩ ኸኣ ኪበዝሑ እዮም።
9 ኣብ ህዝብታት ክዘርኦም እየ፣ ኣብ ርሑቕ ድማ ኪዝክሩኒ እዮም፣ ምስ ደቆምውን ብህይወት ኪነብሩን ኪምለሱን እዮም።
10 ካብ ሃገር ግብጺ ኽመልሶም፣ ካብ ኣሶር ድማ ክእክቦም ፣ ናብ ሃገር ጊልዓድን ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፣ ዚኣኽሎም ቦታ ኸኣ ኣይኪርከብን እዩ።
11 ንሱ ብባሕሪ ጸበባ ኺሐልፍ፣ ንማዕበላት ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ፣ ኵሉ መዓሙቝ እቲ ርባ ኸኣ ኪነጽፍ እዩ። ትዕቢት ኣሶር ኪዋረድ፣ ዘንጊ ግብጺውን ኪርሕቕ እዩ።
12 ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፣ ንሳቶምውን ብስሙ ኺመላለሱ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር።

 

1 ኣታ ሊባኖስ፣ ደጌታትካ ኽፈት፣ ነእዋምካ ኸኣ ሓዊ ይብልዓዮ።
2 ኣታ ጽሕዲ፣ ኦም ሊባኖስ ወዲቑ፣ እቶም ክቡራት በሪሶም እዮም እሞ፣ ዋይዋይ በል። ኣቱም ኣውሒ ባሳን፣ እቲ ብርቱዕ ዱር ተቘሪጹ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ።
3 ክበረቶም በሪሱ እዩ እሞ፣ ድምጺ ዋይዋይታ ጓሶት ይስማዕ፣ ትዕቢት ዮርዳኖስ በሪሱ እዩ እሞ፣ ድምጺ ምጕዛም ሽደናት ኣናብስ ይስማዕ።
4 እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ ጓስየን።
5 እቶም ተሻየጥተን ይሐርድወን፣ ንርእሶም በደልቲ ኸም ዝዀኑ ኸኣ ኣይትቈጽሩን። እቶም ሸየጥተን ድማ፣ ኣነስ ሃብቲመ እግዚኣብሄር ይመስገን፣ ይብሉ፣ ጓሶተንውን ከቶ ኣይንሕፍወንን።
6 እምብኣርሲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብር ድሕርዚ ኣይክንሕፎምን እየ፣ ኤረ ኣነስ እንሆ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጽዩን ኣብ ኢድ ንጉሱን ክውፍዮ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነታ ሃገር ኪሰባብርዋ እዮም፣ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
7 ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ፣ እወ፣ ነተን መሳኺን እታ መጓሰ ኣባጊዕ፣ ጓሴኽወን። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፣ ነታ ሓንቲ ጸጋ፣ ነታ ሓንቲ ኸኣ ስምረት ኢለ ሰሜኽወን፣ ነተን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን።
8 ነቶም ሰለስተ ጓሶት ብሓንቲ ወርሒ ኣጥፋእክዎም፣ ነፍሰይ ብኣታቶም ጸበባ፣ ነፍሶምውን ጸልኣትኒ።
9 ኣነ ኸኣ፣ ኣይክጓስዮምን እየ፣ እታ እትመውት ትሙት፣ እታ እትጠፍእ ትጥፋእ፣ እተን ዝተርፋ ድማ ስጋ ሓድሕደን ይበላልዓ፣ በልኩ።
10 ነቲ ምስ ኵሎም ህዝብታት ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ከፍርስሲ፣ ነታ ጸጋ ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ፣ በዚውን እተን ናባይ ዜስተብህላ ዝነበራ ድኻታት እታ መጓሰ ቓል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጣ።
12 ኣነ ድማ፣ ነዒንትኹም ባህ እንተ ኣበለኩምሲ፣ ዋጋይ ሀቡኒ፣ እንተ ዘይኰነስ ሕደግዎ፣ በልክዎም። ንሳቶም ንዋጋይ ሰላሳ ብሩር መዘኑ።
13 እግዚኣብሄር ከኣ፣ ነቲ ዝገምገሙለይ ክቡር ገምጋም ናብ ሰራሕ መሬት ደርብዮ፣ በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሰ ብሩር ወሲደ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ናብቲ ሰራሕ መሬት ደርቤኽዎ።
14 ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ከፍርስ፣ ነታ ስምረት ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ።
15 እግዚኣብሄር ከኣ፣ ነቲ ኣቓሑ ዓሻ ጓሳውን ንኣኻ ውሰዶ፣ በለኒ።
16 ስለዚ እንሆ፣ ስጋ ስቡሓት ዚበልዕ፣ ሸዀናኤን ኸኣ ዚምንጭት እምበር፣ ነተን ዝጠፍኣ ግዲ ዘይገብረለን፣ ፋሕ ንዝበላ ድማ ዘይደልየን፣ ንዝተሰብራ ኸኣ ዘይፍውስ፣ ንጥዑያትውን ዘይቅልብ ጓሳ ኣብታ ሃገር ከተንስእ እየ።
17 እቲ ኣባጊዑ ዚፍኑ ዘይጠቅም ጓሳ ወይለኡ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልጽሙን ኣብ ልዕሊ የማነይቲ ዓይኑን ይኹን፣ ቅልጽም ብጥራስ ኪነቅጽ፣ የማነይቲ ዓይኑ ኸኣ ብዘላ ኽትጽልምት እያ።

1 ጾር ቃልእግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያት ዝዘርግሖ፣ ንምድሪ ድማ ዝሰረታ፣ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣
2 እንሆ፣ የሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ጽዋእ ስኽራን ክገብራ እየ፣ የሩሳሌም ተኸቢባ ኸላውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።
3 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ የሩሳሌም ንዅላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፣ ዚስከምዋ ዘበሉ ዅላቶም ኣህዛብ ኣዝዮም ኪቘስሉ እዮም፣ ኵላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምጽራራ ኺእከቡ እዮም።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅላቶም ኣፍራስ ብስምባድ፣ ንዚውሕጥዎም ከኣ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕ ከብል እየ፣ ንዅላቶም ኣፍራስ ህዝብታት ከኣ ብዑረት ክወቕዖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር
5 ሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሓይለይ እዮም፣ ኪብሉ እዮም።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፣ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም፣ የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፣ ኣብ የሩሳሌም፣ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ።
7 ክብረት ቤት ዳዊትን ክብረት እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበ፣ እግዚኣብሄር ቅድም ንድንኳናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ።
8 በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኺከላኸለሎም እዩ። እቲ ኻባታቶም ድኹም ዝዀነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ፣ ቤት ዳዊት ከኣ ከም ኣምላኽ፣ ኣብ ቅድሚኦም ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ክትከውን እያ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዚመጹ ዅሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ክደሊ እየ።
10 ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣይ፣ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ እዮም፣ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዚበኽዩሉ፣ ከምቲ ንበዅሪ መሪር ሓዘን ዚሐዝንሉ ኣምሪሮም ኪሐዝኑሉ እዮም።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ከምቲ ኣብ ሃዳድ-ሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶን ዝዀነ ብኽያት፣ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ኪኸውን እዩ።
12 እታ ሃገር ከኣ ክትበኪ እያ፣ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፣ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፣ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፣ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።
13 ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፣ ኣንስቶም ከኣ ንበይነን፣ ዓሌት ሽምዒ ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።
14 ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።

 

1 በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ዳዊትን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ንሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዔላ ማይ ክትክፈተሎም እያ።
2 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ንስም ጣኦታት ካብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ፣ ድሕርዚ ድማ ኣይኪዝከርን እዩ። ነቶም ነብያትን ነቲ ርኹስ መንፈስን ከኣ ካብታ ሃገር ከልቅቖም እየ።
3 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ገለ ሰብ ገና እንተ ተነበየ፣ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፣ ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሶት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፣ ብህይወት ኣይትነብርን፣ ኪብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡንውን ኪንበ ኸሎ ኺወግእዎ እዮም።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለዉ፣ ብራእዮም ኪሐንኩ እዮም፣ንምሕሳው ከኣ ጨጓር ሊባኖስ ኣይኪለብሱን እዮም።
5 ግናኸ፣ ሰብ ካብ ንእስነተይ ገዚኡኒ እዩ እሞ፣ ሓረስታይ እየ እምበር፣ ነብዪ ኣይኰንኩን፣ ኪብል እዩ።
6 ንእኡ ኸኣ፣ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ እንታይ እዩ∶ እንተ በልዎ፣ ንሱ ድማ፣ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዜፍቅሩኒ እተወጋእክዎ እዩ፣ ኪብል እዩ።
7 ዎ ሰይፊ፣ ኣንጻር ጓሳኡን ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝዀነ ሰብን ተንስእ፣ ነቲ ጓሳ ውቖዓዮ፣ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ኪብላ እየን፣ ኢደይ ድማ ኣንጻር እቶም ናእሽቱ ኽመልስ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
8 ኣብ ኵላ፣ እታ ሃገር ድማ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ እቶም ክልተ ኢድ ኣብኣ ኪቝረጹን ኪሞቱን እዮም፣ እቲ ሲሶ ግና ኺተርፍ እዩ።
9 ኣነ ኸኣ ነቶም ሲሶ ናብ ሓዊ ኸእትዎም፣ ብሩር ከም ዚዅላዕ ክዅልዖም፣ ወርቂ ኸም ዚፍተን ክፍትኖም እየ። ስመይ ክጽውዑ እዮም፣ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ህዝበይ እዩ፣ ክብል እየ። ንሱውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እዩ፣ ኪብል እዩ።

 

1 እንሆ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ ኣላ፣ ዘመቴኺ ኸኣ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ።
2 ኣነኸኣ ኵላቶም ኣህዛብ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ኽእክቦም እየ፣ እታ ኸተማ ኽትትሐዝ እያ፣ ኣባይቲ ኺዝመት እዩ፣ ኣንስቲውን ኪንውራ እየን፣ ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፣ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካብታ ኸተማ ብጥራስ ኣይኪጠፍእን እዩ።
3 ሽዑ እግዚኣብሄር ኪወጽእ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ፣ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ኪቐውም እዩ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸኣ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኺስንጠቕ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮውን ኪኸውን እዩ፣ ፍርቂ እቲ ኸረን ናብ ሰሜን፣ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ኪዘብል እዩ።
5 ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ኪበጽሕ ኣዩ እሞ፣ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሀድሙ ኢኹም።ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝሀደምኩም፣ ክትሀድሙ ኢኹም። እግዚኣሄር ኣምላኸይ ኪመጽእ እዩ፣ ኵላቶም ቅዱሳን ከኣ ምሳኻ።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ብርሃንሲ ድነ ኪኸውን እዩ እምበር፣ ነጸብራቕ ኣይኬብርህን እዩ።
7 ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዓልቲውን ትኸውን፣ መዓልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን፣ ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሃን ኪኸውን እዩ።
8 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፣ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፣ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፣ ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ።
9 እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ኺነግስ እዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ፣ ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ።
10 ኵላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ የሩሳሌም ናብ ጐልጐል ክትልወጥ እያ። የሩሳሌም ከኣ ልዕል ክትብል፣ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ቦታ ቐዳመይቲ ደገ፣ ክሳዕ ደገ ዅርናዕ፣ ካብ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ክሳዕ መጽመቝ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ።
11 ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይኪኸውንን እዩ፣ የሩሳሌምውን ሀዲኣ ኽትነብር እያ።
12 እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዚወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፣ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ።
13 በታ መዓልቲ ኸኣ ኪኸውን እዩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ዕግርግር ኬተንስኣሎም እትዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኼልዐል እዩ።
14 ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ኪዋግኣ እዩ፣ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን፣ ኪድለብ እዩ።
15 ከምኡውን እታ ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ዅላቶም እንስሳን እትወቅዕ መዓት ከምዛ መዓት እዚኣ ኽትከውን እያ።
16 ክኸውን ድማ እዩ፣ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ዝተረፉ ዘበሉ ዅላቶም ንንጉስ፣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም።
17 ኪኸውን ድማ እዩ፣ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስ፣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኪሰግዱሉ፣ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፣ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ።
18 ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደየቡን ዘይመጹን ከኣ ናብ ኦምውን ኣይኪዘንምን እዩ። እዚ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዚቐጽዓሉ መዓት እዩ።
19 እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጽዓት እቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ።
20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስ፣ ቅዱስ ንእግዚኣብሄር፣ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታትን ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩ።።
21 ድስቲ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሩሌምን ኣብ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪቕደስ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዚስዋኡ ዅላቶም ከኣ ኪመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ኬብስሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ ከቶ ኣይኪህሉን እዩ።

 

Latest News

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...

Jesus Christ died and rose again for our sins.

Jesus Christ died in our place. “But God demonstrates his own love for us in this: While we were still sinners, Christ died for us” (Romans 5:8). He is the way to new life. “Therefore, if anyone is in Christ, he is a new creation; the old has gone, the new has come!”...

Sin separates you from God

Everyone has sinned. “For all have sinned and fall short of the glory of God” (Romans 3:23). Sin brings death. “For the wages of sin is death” (Romans 6:23). “For it is by grace you have been saved, through faith and this not from yourselves, it is the gift of God-not...

Recognize that God loves you

“For God so loved the world that he gave his one and only Son, that whoever believes in him shall not perish but have eternal life” (John 3:16). He has new life for you. “I have come that they may have life, and have it to the full” (John 10:10).

The light of Jesus

Then Jesus again spoke to them, saying, “I am the Light of the world; he who follows Me will not walk in the darkness, but will have the Light of life.” (John 8:12, NASB) While I am in the world, I am the Light of the world.”...

Second Coming of Christ

Revelation 7:14 - “...they are the people who are coming out safely through the terrible tribulation. The blood of the Lamb has washed and made white their robes.” Revelation 19:7 - “They will be Christ's bride and will have...

ilovejesus1.com

My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well.  There is Amharic, Tigrigna and English bible.  Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...

Trust in Christ and receive Him as your Savior.

Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...

You must repent and ask God for forgiveness.

“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13).  Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...