ጽማቝ ሓሳባት የዮሐንስ ራእይ (Revelation)
የማቴዎስ ወንጌል የአዲስ ኪዳን የመጀመሪያው ሰነድ ነው። የማቴዎስ ወንጌል የክርስትናን መስራች የሆነውን ኢየሱስ መሲሕን ስለ ልደት ፣ ሕይወት ፣ ትምህርት ፣ ሞትና ትንሣኤ የተሟላ እና የተደራጀ ዘገባ ያገኛሉ።
የዮሐንስ ራእይ (Revelation)
1 እቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።
2 ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ።
3 እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።
4-5 ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡
6 ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
7 እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን።
8 ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9 ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ።
10-11 ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ።
12 ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ።
13 ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ።
14 ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡
15 ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ።
16 ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ።
17-18 ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ።
19 እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎ።
20 ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።
1 ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል አሎ፡
2 ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ አሎኹ።
3 ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን።
4 ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ።
5 እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ።
6 ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ።
7 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ።
8 ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ፡
9 ጸበባኻን ድኽነትካን ፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻ ፦ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን ፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ ፦ እፈልጥ አሎኹ።
10 እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።
11 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ።
12 ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፉ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል አሎ፡
13 ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ አሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ፡ ንኣንቲጶስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሐድካያን።
14 ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ አሎኹ።
15 ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ።
16 ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጽእ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ።
17 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።
18 ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡
19 ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ፡ እፈልጥ አሎኹ።
20 ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ።
21 ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።
22 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ።
23 ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።
24 ኣብ ትያትራ ንዘሎኹም ኵላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን ፦ ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎ፡ ዘይፈልጥኩምዎ፡ እዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲ፡ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም አሎኹ።
25 ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ።
26-27 ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።
28 ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ።
29 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።
1 ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሐፍ፡ እቲ፡ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ።
2 ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም።
3 ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ።
4 ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት አለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም።
5 እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ።
6 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።
7 ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሐፍ፡ እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ፡ ሓደ እኳ ዘይዐጹ፡ ንሱ ምስ ዐጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍት፡ ከምዚ ይብል አሎ፡
8 ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ክዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ አሎኹ።
9 እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ስይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ አለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ አሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ።
10 ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ።
11 ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ።
12 ነቲ ዚስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፡ ካብኣ ከቶ ኣይኪወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፡ ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ።
13 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።
14 ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡
15 ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ።
16 ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።
17 ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ።
18 ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ።
19 ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ።
20 እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።
21 ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።
22 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።
1 ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለከት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ፡ በለኒ።
2 ሽዑ ብመንፈስ ኰንኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።
3 እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ።
4 ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ።
5 ካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።
6 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል አሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን አለዉ።
7 እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ አለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዚነፍር ንስሪ እዩ ዚመስል።
8 እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ።
9 እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡
10-11 እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።
1 ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጽሒፉ፡ ብሾብዓተ ማሕተም እተሐትመ መጽሓፍ ርኤኹ።
2 ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኪግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን አሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርኤኽዎ።
3 ነቲ መጽሓፍ እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪርእዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን።
4 ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኼኹ።
5 ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎ፡ በለኒ።
6 ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን አለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።
7 ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ።
8 ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም ፦ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ።
9-10 ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓተምውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
11 ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ።
12 ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ።
13 ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ።
14 እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
1 እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ፡ ርኤኹ፡ ሓደ ኸም ደሃይ ነጕዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
2 ርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዓረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ።
3 ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብሎ ከሎ ሰማዕኩ።
4 ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓቢዪ ሰይፊውን ተዋህቦ።
5 ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብሎ ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ መጋል ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ።
6 ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኑክስ ስገም ከኣ ብዲናር፡ ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
7 ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
8 ርኤኹውን እንሆ፡ ቡላ ፈረስ፡ ምስ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦ። ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም።
9 ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ።
10 ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ።
11 ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም።
12 ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት።
13 ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ።
14 ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ።
15 ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ።
16 ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም።
17 እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧
1 ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ።
2 ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘልዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡
3 ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ፡ በለ።
4 ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት።
5 ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡
6 ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡
7 ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡
8 ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ።
9 ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡
10 ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ።
11-12 እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜን፡ ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን፡ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ።
13 ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ መጹ፧ ኢሉ ሓተተኒ።
14 ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ፡
15 ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ።
16-17 እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።
1 ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ።
2 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓተ መላእኽቲ ደው ኢሎም ርኤኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም።
3 ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺወስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ።
4 እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ።
5 እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ከኣ ዀነ።
6 እቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ።
7 እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሔ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ።
8 እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ።
9 ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።
10 እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ።
11 ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል፡ ሲሶ እቲ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ።
12 እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኣ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኣ ሲሶ ጸሓይን ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዔ።
13 ርኤኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ኪነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
1 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ ርኤኹ፡ መርሖ ዓሚቝ ዔላውን ተዋህቦ።
2 ነቲ ዓሚቝ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ።
3 ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ።
4 ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፡ ንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም፡ ተባህለሉ።
5 ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ።
6 በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ።
7 ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ።
8 ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ።
9 ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎ፡ ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ።
10 ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን አለዎ፡ ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎ።
11 ንጉስ አለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል።
12 እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉ፡ ድሕርዚ ኸኣ እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ አሎ።
13-14 እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብሎ ድምጺ ሰማዕኩ።
15 እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ኪቐትሉ፡ ተፈትሑ።
16 ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቍጽሮም ሰማዕኩ።
17 ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርኤኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዚመስል ድርዒ አለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ።
18 በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ።
19 ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል፡ ኣራእስውን አለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዚጐድኡ።
20 እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩ፡ ወይስ ኪሰምዑ፡ ወይስ ኪኸዱ ዘይከአሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን።
21 ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።
1 ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና አሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን።
2 ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ አላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላ፡ ነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ።
3 ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ።
4 እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውን፡ ነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሐፎ፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ።
5 እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡
6-7 ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኡ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለም ኣለምን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ።
8 እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ውሰዳ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ።
9 ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ ነታ መጽሓፍ ሀበኒ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ውሰዳ እሞ ብልዓያ፡ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፡ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ፡ በለኒ።
10 ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዐመትኒ፡ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ እሞ፡
11 ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ፡ ተባህለለይ።
1 ዘንጊ ዚመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒ፡ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር፡ በለኒ።
2 እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም።
3 ነቶም ክልተ ምስክረይውን፡ ወጮ ተወንዚፎም፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺንበዩ ኽህቦም እየ።
4 እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዚቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም።
5 ሓደ እኳ ኺጎድኦም እንተ ደለየ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጎድኦም እንተ ደለየ ኸኣ፡ ከምኡ ኪቕተል ይግብኦ እዩ።
6 እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን አለዎም። ናብ ደም ክልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን አለዎም።
7 ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ።
8 ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ።
9 ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ይርእዩዎም፡ ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ኪንበር ኣይፈቕዱን እዮም።
10 እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ኪሰዱ እዮም።
11 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፡ በእጋሮምውን ቈሙ፡ ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ፡
12 ነጀው ደይቡ፡ ዚብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም።
13 በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ።
14 እቲ ኻልኣይ ወዮ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ አሎ።
15 እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።
16-17 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወስድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ አሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ።
18 ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሉ።
19 እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ።
1 ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት።
2 ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት።
3 ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡
4 እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።
5 ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ።
6 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት።
7 ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።
8 ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን።
9 እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
10 ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
11 ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።
12 ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም።
13 እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ።
14 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ።
15 እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ።
16 ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ።
17 እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።
18 ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።
1 ዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ።
2 እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ።
3 ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግኤ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት።
4 ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናበሉ ሰገዱሉ።
5 ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ።
6 ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ።
7 ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ።
8 እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።
9 ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ።
10 ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ።
11 ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን አለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ።
12 ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም።
13 ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር።
14 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም አሎ።
15 ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ።
16 ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ።
17 ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ፡ ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር።
18 ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።
1 እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ።
2 ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ።
3 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን።
4 እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም።
5 ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም።
6 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ።
7 ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ።
8 ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ እናበለ ሰዐቦ።
9 ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦም፡ ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ፡ ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተም እንተ ተቐበለ፡
10 ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ።
11 ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።
12 እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።
13 ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
14 ርኤኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ።
15 ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ አትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ።
16 እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ፡ ምድሪውን ተዐጽደት።
17 ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘ።
18 ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ መጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድማጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ፡ በለ።
19 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ።
20 እቲ መጽመቝ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቝ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዚኣክል፡ ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ።
1 ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርኤኹ፡ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርኤኹ።
2 ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቝጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡
3-4 ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።
5 ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።
6 እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ፡ ባዕባዕ ዚብል ጽሩይ ክዳን ተከዲኖም፡ ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም፡ ካብ መቕደስ ወጹ።
7 ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዚነብር ኣምላኽ እተመልኤ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሀቦም።
8 እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልኤት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲኤን መዓት ክሳዕ ዚውድኣስ፡ ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን።
1 ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ፡ ኪዱ፡ ነቲ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ፡ ዚብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ።
2 እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱ ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቍስሊ ወጾም።
3 እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋእ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሔ ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ።
4 እቲ ሳልሳይውን ጽዋእ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰ፡ ደም ከኣ ዀነ።
5 እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፡ ኣታ ቅዱስ፡ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ፡
6 ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮም፡ ዚግብኦምውን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
7 እቲ መሰውኢ ድማ፡ እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
8 እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፡ ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ።
9 እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፡ ንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚኤን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎ፡ ክብሪ ኺህብዎውን ኣይተነስሑን።
10 እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት፡ ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሐየኹ።
11 ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቝሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮምውን ኣይተነስሑን።
12 እቲ ሳድሳይውን ጽዋእ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ።
13 ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ።
14 እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም።
15 እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።
16 ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ ኣከብዎም።
17 እቲ ሳብዓይውን ጽዋእ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ ኰይኑ፡ ዚብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ።
18 በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ።
19 እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት።
20 ብዘለዋ ደሴታት ሀደማ፡ ኣኽራንውን ኣይተረኽቡን።
21 ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።
1 ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፡ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው።
2 ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እናበለ ተዛረበኒ።
3 ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ።
4 እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።
5 ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ።
6 እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ።
7 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገሪምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ።
8 እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም።
9 ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም፡
10 ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ አሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ።
11 እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ።
12 እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም።
13 እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ አለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም።
14 እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዕሩ እዮም።
15 እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም።
16 እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም።
17 ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ አሎ።
18 እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።
1 ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ብኽብሩውን ምድሪ በርሄት።
2-3 ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና። ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።
4-5 ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ።
6 ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋ፡ ከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላ።
7 ብልባ ንግስቲ ዀይነ እነብር፡ መበለት ኣይከውንን፡ ሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሀብዋ።
8 ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታ፡ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ።
9 እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሐንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮም፡ ኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም።
10 ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ አሎ፡ ኪብሉ እዮም።
11 እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላን።
12 ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምነ በረድን፡
13 ቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሐርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን።
14 እቲ ነፍስኺ ዝበሀገቶ ፍረ ኻባኺ ሐሊፉ፡ ጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይኪርከብን እዩ።
15-17 እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኣ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኵሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዅሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ።
18 ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዚመስላ፡ እናበሉ ጨርሑ።
19 ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ፡ እናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙ፡ ብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ እናበሉ ጨርሑ።
20 ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሐጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትን፡ ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሐጐሱ።
21 ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለ፡ ባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ።
22 ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኵሉ ጥበብኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ።
23 ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ።
24 ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ።
1-2 ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ናይታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
3 ካልኣይ ጊዜ ድማ፡ ሃሌሉያ፡ በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ።
4 እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
5 ካብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዚብል ድምጺ ወጸ።
6-7 ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
8 ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ።
9 ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ።
10 ኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
11 ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን።
12 ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ።
13 ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ።
14 ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ።
15 ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ።
16 ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ።
17-18 ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።
19 እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ።
20 እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም።
21 እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።
1 መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ።
2 ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።
3 እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ።
4 ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።
5 እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ።
6 ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።
7 እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡
8 እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ።
9 ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም።
10 እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።
11 ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።
12 ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።
13 ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።
14 ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ።
15 ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
1 እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።
2 እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ።
3 ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።
4 ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
5 እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ።
6 ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
7 እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ።
8 እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
9 ካብቶም በተን ዳሕሮት መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ክርእየካስ ንዓ፡ እናበለ ተዛረበኒ።
10-11 ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።
12 ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገ፡ ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ፡ ስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ።
13 ብምብራቕ ሰለስተ ደገ፡ ብሰሜን ሰለስተ ደገ፡ ብደቡብ ሰለስተ ደገ፡ ብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ።
14 ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ።
15 እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ አለዎ።
16 እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ።
17 ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ፡ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ።
18 እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል።
19 መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡
20 እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ።
21 እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ።
22 እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን።
23 እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።
24 ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም።
25 ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ።
26 ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም።
27 እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።
1 ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡
2 ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።
3 ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸል ዝፋን ኣብኡ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎ
4 ገጹ ኺርእዩን እዮም፡ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ኪኸውን እዩ።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኬብርሃሎም፡ ንዘለኣለም ኣለምውን ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ።
6 ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዝግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ አሎ።
7 እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ።
8 ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኩን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ።
9 ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
10 ድማ፡ እቲ ጊዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ።
11 እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ።
12 እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።
13 ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።
14 ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጸቡ ብጹኣን እዮም።
15 እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።
16 ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ አሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ፡
17 እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
18 ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም አሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ።
19 ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ።
20 እቲ ነዚ ነገርዚ ዚምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ይብል አሎ። ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ።
21 ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኵላትኩም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።
የኢየሱስ ተአምራት
ማቴዎስ 8:14-15
14 ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት በገባ ጊዜ የጴጥሮስን አማት በንዳድ ተኝቶ ተመለከተ። 15 እርሱም እ touchedን ነክቶ ንዳዱ ለቀቃት ፤ ተነሥታም ልትጠብቀው ጀመረች።
ማቴዎስ 8: 1-4
1 ኢየሱስ ከተራራው ሲወርድ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። 2 የሥጋ ደዌ ያለበት አንድ ሰው መጥቶ በፊቱ ተንበርክኮ “ጌታ ሆይ ፣ ብትወድስ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። 3 ኢየሱስ እጁን ዘርግቶ ሰውየውን ዳሰሰው። “ፈቃደኛ ነኝ” አለ። “ንፁህ ሁን!” ወዲያውም ከለምጹ ተነጻ። 4 ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ” አለው። ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህኑ አሳይና ለእነርሱ ምስክር እንዲሆን ሙሴ ያዘዘውን ስጦታ አቅርብ ”አለው።
ማቴዎስ 9:18
ኢየሱስ ይህን ሲናገር የም synራብ አለቃ መጥቶ በፊቱ ተንበረከከ። “ልጄ ገና ሞተች” አለ። ነገር ግን መጥተህ እጅህን ጫንባት እሷም በሕይወት ትኖራለች።
ዮሐንስ 2 1-11
በሦስተኛውም ቀን በገሊላ ቃና ሰርግ ተካሄደ። የኢየሱስ እናት እዚያ ነበረች ፣ 2 እና ኢየሱስ እና ደቀ መዛሙርቱም ወደ ሰርጉ ተጋብዘዋል። 3 ወይኑ ባለቀ ጊዜ የኢየሱስ እናት “የወይን ጠጅ እኮ የላቸውም” አለችው። 4 “አንቺ ሴት ፣ ለምን እኔን ታሳትፊኛለሽ?” ኢየሱስ መለሰ። “ሰዓቴ ገና አልደረሰም” 5 እናቱ አገልጋዮቹን ፣ “የሚላችሁን ሁሉ አድርጉ” አለቻቸው። 6 በአቅራቢያቸው ስድስት የድንጋይ ውሃ ማሰሮዎች ቆመው ነበር ፣ አይሁድም ለመታጠብ የሚጠቀሙበት ዓይነት ፣ እያንዳንዳቸው ከሃያ እስከ ሠላሳ ጋሎን ይይዙ ነበር። [ለ] 7 ኢየሱስም አገልጋዮቹን “ማሰሮዎቹን በውኃ ሙሏቸው” አላቸው። ስለዚህ እስከ ጫፉ ድረስ ሞሏቸው። 8 ከዚያም “አሁን አውጡና ወደ ግብዣው ጌታ አምጡት” አላቸው። እንዲህ አደረጉ ፣ 9 እና የግብዣው ጌታ ወደ ወይን የተቀየረውን ውሃ ቀመሰ። ውሃውን የቀዱት አገልጋዮች ቢያውቁም ከየት እንደመጣ አላወቀም። ከዚያም ሙሽራውን ወደ ጎን ጠርቶ 10 እንዲህ አለ ፣ “እንግዶቹ ብዙ ከመጠጣታቸው በፊት እያንዳንዱ ሰው መጀመሪያ የተመረጠውን የወይን ጠጅ ከዚያም ርካሽውን ወይን ያመጣል። ግን እስካሁን ድረስ ምርጡን አስቀምጠዋል። ” 11 ኢየሱስ እዚህ በገሊላ ቃና የሠራው ክብሩን የገለጠበት ከምልክቶቹ መጀመሪያ ነው። ደቀ መዛሙርቱም በእርሱ አመኑ።
Latest News
ilovejesus1.com
My name is Eden Fessehaye and i build ilovejesus1.com website for everyone to have access to the bible and audio bible as well. There is Amharic, Tigrigna and English bible. Also, the English bible can be translated to any languages for everyone to have access to...
Trust in Christ and receive Him as your Savior.
Christ is ready. “Here I am! I stand at the door and knock. If anyone hears my voice and opens the door, I will go in” (Revelation 3:20). Receive him now. “Yet to all who received him, to those who believed in his name, he gave the right to become children of God”...
You must repent and ask God for forgiveness.
“He who conceals his sins does not prosper, but whoever confesses and renounces them finds mercy” (Proverbs 28:13). Forgiveness is promised. “If we confess our sins, he is faithful and just and will forgive us our sins and purify us from all unrighteousness” (1 John...